በስመ ሥላሴ!
ስነ-ልቦና ቅዱስ ነብይ ዮናስ ከመይ ይመስል ነበረ፧ እዚ ሕቶ'ዚ በዚ ቅነ'ዚ ማለት፡ ኣብዚ ካብቶም ሸውዓተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ሓደ ዝኾነ ጾመ ነነዌ፡ ወተረ ዝሕተትን ዝምለስን መንፈሳውን ሃይማኖታውን ስነ-ምግባር'ዩ። ስነ-ልቦና ነብይ ዮናስ ከመይ ነበረ፧ ሰናይ ንባብ!
√ ብሽግራት ዝበሰለ መንፈሳዊ ስነ-ልቦና፥-
ኣዴኡ መበለት ካብ ምምባራ ዝተላዕለ ብሽግራት ናይ ዝኽትምና ተጸሪቡ፡ ኪኖ'ቲ ኣብ ድኽነትን ሃብትን ዘሎ ተመኲሮ ሕይወት፡ ናይ ሞት ኢምንትነት'ውን ከይተረፈ፡ ኣዳቒቑ ዝፈልጥ ተባዕን ምኲርን ነብይ ነበረ። ማለት ብዜካ'ቲ ኣብ'ዛ ዓለም ዝነበረለን ዓመታት፡ እንተላይ ሞት ክልተ ግዜ 'ኳ ደኣ ቀሚሱ ስለዝነበረ፡ ስነ-ልቦናኡ ብዛዕባ ሃገረ-ሙውታን ክትርኽ ዝኽእል ብቑዕ ኣፍልጦ ነይርዎ። ነዚ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን፡ "እቲ ነብይ ኤልያስ ካብ ሞት ዘተንስኦ ሕጻን ንሱ ነብይ ዮናስ'ዩ። እዚ ድማ ደረጃ መንፈሳዊ ሕይወቱ ልዕል ልዕል ንክብል ባብ ዘርሓወሉ ኲነት'ዩ።" ዝብል ተውፊታዊ መረዳእታ ተቕርበልና። (1ነገ17፥17-24) በዚ መሰረት ደቂ ሰባት ርእዮሞ ዘይፈልጡ ርእዩ ዝመጸ ብምንባሩ፡ ንናይ'ዛ ዓለም'ዚኣ ሕልኽላኻት ኣቃሊሉ ዝርእይ መንፈሳዊ ኣእምሮ ዝነበሮ ቅዱስ ነብይ'ዩ።
√ ኣብ ማእክል ዘይኣመንቲ ኣስተርሕዩ ክድቅስ ዘይእግ'ሞ ስነ-ልቦና
ኣብ'ዛ ዓለም ምስ ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ሰባት ዝተቐመጠለን ግዜያት ውሑዳት ኣይኮናን። "ከም'ዚ እንተገበሩኒኸ፧" ብዘይብል ከንቱ ስግኣት ምስ ኲሉ ብፍቕሪ ክነብር ዝቃለስ ዝነበረ ኣቦ'ዩ። እግዚኣብሔር "ንዓ ናብ'ዞም ንዓይ ዘይፈልጡ ተቐማጦ ከተማ ነነዌ ኬድካ፡ እሳት ክኽዕወሎም ከምዝደለኹ ብትሪ ንገሮም!" ኢሉ ፈጣሪኡ ክልእኾ እንከሎ፡ ዋላ ደኣ ልቡ ክኸይድ ከም'ዘይደሊ ይነግሮ ይንበር እምበር፡ "ዘይኣመንቲ ስለዝኾኑ ኣብ ማእከሎም ክርከብ ኣይደልን'የ፡ እምቢ!" ኢሉ ምስ ፈጣሪኡ ቃል-ንቃል ክከራኸር ኣይመረጸን። እቲ ጥርዚ ዝበጸሐ ሓጢኣት ከተማ ነነዌን፡ ንምሕረት ፈጣሪኡ ክግድቦ ከምዘይክእልን ኣጣጢሑ ዝፈልጥ ስነ-ልቦና ነይርዎ ነብይ ዮናስ። "ስለዚ ስብከተይ ይስምዑ ኣይስምዑ ብዘየገድስ፡ እግዚኣብሔር ክምሕሮም ይኽእል'ዩ!" ዝብል ኣብ ምሕረትን ሓልዮትን ፈጣሪኡ ጽኑዕ እምነት ዝነበሮ'ዩ። ስለዚ ድማ ምስ ንኣምላኹ ዘይኣምኑ ኣካላት፡ ብመርከቦም ነዊሕ ጉዕዞ ባሕሪ ተተሓሓዞ። እቲ ከም ርግቢት ለዋህን ሕያዋን ዝኾነ ስነ-ልቦናኡ ኣብ ማእክል ኣምለኽቲ ሓርገጽ ቀሲኑ ከምዝድቅስ ገበሮ።(ዮና1፥1-5... ዮናስ ደቂሱ ነበረ!)
√ ቅልጡፍ ነብሰ-ወቐሳ ዝተዓደለ ስነ-ልቦና
ኣብ ውሽጢ'ታ ብኣምለኽቲ ጣዖት ትምራሕ ዝነበረት መርከብ፡ ቅዱስ ዮናስ ገንዘቡ ከፊሉ፡ 'ዚዂሉ መሾምቢባ ማዕበላት ባሕሪ ከይተፈለጦ ንነዊሕ መገዲ ደቂሱ የሕለፎ። ስለዚ ድማ "ሰሪ መን ኮን እዚ ሽግር'ዚ ይወርደና ይህሉ!" ዝብል ስነ-ሞገት ኣብዝተላዕለሉ ግዜ፡ "ጠንቀኛታትሲ ንስኻትኩም፡ ሰንኪ ኣምለኽቲ ጣዖት ብምዃንኩም ኢዩ። ኣነ ካልእ ይትረፍ ብዜካ ፈጣሪ ካልእ ኣምላኽ ከምዘየብለይ ፈጣሪየይ ይፈልጥ'ዩ። ስለዚ ተነስሑ፡ ንኣምላኽ እመኑ!" ኢሉ ንክወቕሶም ብቑዕ ምኽንያት ነይርዎ'ዩ። ስነ-ልቦናኡ ግን ንኸምኡታት ዝእንግድ፡ ናይ "ካባኻስ ኣነ ይሓይሽ፡ ብምስራሕ ሓጥያትሲ ናተይ ይቐልል!" ዝብል ሓንሓኒ ኣእምሮ ዝነበሮ ኣቦ ኣይነበረን። ብዘገርም መልክዑ፡ "ናይ'ዚ ኲሉ ጠንቂ ተናውጾ ባሕሪ ኣነ'የ። እምበኣር ደርብዩኒ'ሞ፡ መርከብኩም ክትሃድእ፡ ብሰላም ድማ ናብ'ታ ጣዖት እተምልኹላ ዓድኹም ክትወስደኩም'ያ!" ብምባል ገዛእ ርእሱ ክሳብ ክንድዚ ንሞት ፈረዳ።ከም'ዚ ዓይነት ስነ-ልቦና፡ መንፈሳውያን ጥራይ'ዮም ዝውንንዎ። እምበርከ፡ እቶም ኣምለኽቲ ጣዖት'ውን፡ "በደልሲ ንሕና'ውን ፈጣሪ ገዲፍና ኣብ ጣዖት ስለእነምልኽ፡ ንፈጣሪ በዲልናዮ ኢና!" ከብሎም ዝኽእል እኹል ምኽንያታትኮ ነይርዎም'ዩ። ስጋውነት ግን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ክትፈርድ ተዘይኮይኑ፡ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ክትወቅስ ትብዓት ከምዘይህበካ፡ ንኣስተውዓሊ ብግብሪ መሃርዎ። (ዮና1፥12... እዚ ብርቱዕ ማዕበል ብሰረይ ከምዝበጽሓኩም ፈሊጠ ኣለኹ'ሞ... ንክሃድኣልኩም ናብ ባሕሪ ደርብዩኒ።)
√ ቀልጢፉ ዝጠዓስ ስነ-ልቦና
ኣስቆሮታዊ ስነ-ልቦና፡ ድሕሪ ጣዕሳ ናብ ነፍሰ ቅትለት ዝህንደድ'ዩ፡ ዮናስ ግን "ብሞት ቅጽዑኒ!" ዝብል ትርኑዕ ልቦና ነይርዎ።ብበደሉ ከም ይሁዳ ዝተጣዕሰን ዘስቈርቈረን'ዩ፡ ንገዛእ ርእሱ ግን ነፍሰ-ቅትለት ንክፍጽም ክፉትን ርሑውን ዕድል እኳ እንተነበሮ፡ እቶም ኣምለኽቲ ጣዕት ባዕሎም ክብይንሉ ቅሩብነቱ ገለጸ፡፡ ፍርዶም'ውን ከም ንተራ ኣቚሑ ናብ ባሕሪ ምድርባይ ክኸውን ከምዝግበኦ ቅኑዕ ፍርዲ መሃሮም። ኣስቆሮታዊ ነፍሰ ቅትለት፡ ስነ-ልቦና ናይ ዓያሹን ተስፋ ኣልባን ምዃኑ ኣይስሕቶን'ዩ፡፡ "ይግበኣኒ'ዩሞ፡ ፍረዱኒ!" ምባል ግን ኪኖ ሞት ፈጣሪኡ ከምዘይርስዖ፡ ብሕሉፍ ተመኩሮኡ ይፈልጥ ነይሩ'ዩ። ሕይወቱ ኣፍልጦ ፍርዲ ንዘይነበሮም ፈራዶ ኣሕሊፉ ሃባ።(ዮና1፥15 ንዮናስ ኣልዒሎም ድማ ናብ ባሕሪ ደርበይዎ)
√ ስነ-ልቦና ትውልድናኸ
ከም'ዚ ናይ ነብይ ዮናስ ዓይነት መንፈሳዊ ስነ-ልቦና፡ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም እንተዘይኰይኑ ኣብ ካልእ ብጭራስ ኣይርከብን'ዩ። ሎሚ ትውልድና ብከምዚ ዓይነት መንፈሳዊ ስነ-ልቦና ዝተሃንጸ ዘይምዃኑ፡እቲ ምኽንያት እንታይ ኮን ይኾውን፧ ንድኻም ስነልቦና እዚ ወለዶና፡ ነብይ ዮናስን እቶም ኣምለኽቲ ጣዖትን እቲ ባሕሪ ምስ ማዕበላቱን እቲ ዓሳን ኣፍ ኣውጺኦም ዓው ኢሎም እናሰበኹ'ዮም።
በረኸት ቅዱስ ነብይ ዮናስ ይኽፈለና።
ወስብሓት ለእግዚኣብሔር!!!
09.02.2020

