tirsdag 3. februar 2026

.....ስነ-ልቦና ነብይ ዮናስ....!!

 

 



በስመ ሥላሴ!

ስነ-ልቦና ቅዱስ ነብይ ዮናስ ከመይ ይመስል ነበረ፧ እዚ ሕቶ'ዚ በዚ ቅነ'ዚ ማለት፡ ኣብዚ ካብቶም ሸውዓተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ሓደ ዝኾነ ጾመ ነነዌ፡ ወተረ ዝሕተትን ዝምለስን መንፈሳውን ሃይማኖታውን ስነ-ምግባር'ዩ። ስነ-ልቦና ነብይ ዮናስ ከመይ ነበረ፧ ሰናይ ንባብ!

√ ብሽግራት ዝበሰለ መንፈሳዊ ስነ-ልቦና፥-

 ኣዴኡ መበለት ካብ ምምባራ ዝተላዕለ ብሽግራት ናይ ዝኽትምና ተጸሪቡ፡ ኪኖ'ቲ ኣብ ድኽነትን ሃብትን ዘሎ ተመኲሮ ሕይወት፡ ናይ ሞት ኢምንትነት'ውን ከይተረፈ፡ ኣዳቒቑ ዝፈልጥ ተባዕን ምኲርን ነብይ ነበረ። ማለት ብዜካ'ቲ ኣብ'ዛ ዓለም ዝነበረለን ዓመታት፡ እንተላይ ሞት ክልተ ግዜ 'ኳ ደኣ ቀሚሱ ስለዝነበረ፡ ስነ-ልቦናኡ ብዛዕባ ሃገረ-ሙውታን ክትርኽ ዝኽእል ብቑዕ ኣፍልጦ ነይርዎ። ነዚ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን፡ "እቲ ነብይ ኤልያስ ካብ ሞት ዘተንስኦ ሕጻን ንሱ ነብይ ዮናስ'ዩ። እዚ ድማ ደረጃ መንፈሳዊ ሕይወቱ ልዕል ልዕል ንክብል ባብ ዘርሓወሉ ኲነት'ዩ።" ዝብል ተውፊታዊ መረዳእታ ተቕርበልና። (1ነገ17፥17-24) በዚ መሰረት ደቂ ሰባት ርእዮሞ ዘይፈልጡ ርእዩ ዝመጸ ብምንባሩ፡ ንናይ'ዛ ዓለም'ዚኣ ሕልኽላኻት ኣቃሊሉ ዝርእይ መንፈሳዊ ኣእምሮ ዝነበሮ ቅዱስ ነብይ'ዩ።

√ ኣብ ማእክል ዘይኣመንቲ ኣስተርሕዩ ክድቅስ ዘይእግ'ሞ ስነ-ልቦና

ኣብ'ዛ ዓለም ምስ ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ሰባት ዝተቐመጠለን ግዜያት ውሑዳት ኣይኮናን። "ከም'ዚ እንተገበሩኒኸ፧" ብዘይብል ከንቱ ስግኣት ምስ ኲሉ ብፍቕሪ ክነብር ዝቃለስ ዝነበረ ኣቦ'ዩ። እግዚኣብሔር "ንዓ ናብ'ዞም ንዓይ ዘይፈልጡ ተቐማጦ ከተማ ነነዌ ኬድካ፡ እሳት ክኽዕወሎም ከምዝደለኹ ብትሪ ንገሮም!" ኢሉ ፈጣሪኡ ክልእኾ እንከሎ፡ ዋላ ደኣ ልቡ ክኸይድ ከም'ዘይደሊ ይነግሮ ይንበር እምበር፡ "ዘይኣመንቲ ስለዝኾኑ ኣብ ማእከሎም ክርከብ ኣይደልን'የ፡ እምቢ!" ኢሉ ምስ ፈጣሪኡ ቃል-ንቃል ክከራኸር ኣይመረጸን። እቲ ጥርዚ ዝበጸሐ ሓጢኣት ከተማ ነነዌን፡ ንምሕረት ፈጣሪኡ ክግድቦ ከምዘይክእልን ኣጣጢሑ ዝፈልጥ ስነ-ልቦና ነይርዎ ነብይ ዮናስ። "ስለዚ ስብከተይ ይስምዑ ኣይስምዑ ብዘየገድስ፡ እግዚኣብሔር ክምሕሮም ይኽእል'ዩ!" ዝብል ኣብ ምሕረትን ሓልዮትን ፈጣሪኡ ጽኑዕ እምነት ዝነበሮ'ዩ። ስለዚ ድማ ምስ ንኣምላኹ ዘይኣምኑ ኣካላት፡ ብመርከቦም ነዊሕ ጉዕዞ ባሕሪ ተተሓሓዞ። እቲ ከም ርግቢት ለዋህን ሕያዋን ዝኾነ ስነ-ልቦናኡ ኣብ ማእክል ኣምለኽቲ ሓርገጽ ቀሲኑ ከምዝድቅስ ገበሮ።(ዮና1፥1-5... ዮናስ ደቂሱ ነበረ!)

ቅልጡፍ ነብሰ-ወቐሳ ዝተዓደለ ስነ-ልቦና

ኣብ ውሽጢ'ታ ብኣምለኽቲ ጣዖት ትምራሕ ዝነበረት መርከብ፡ ቅዱስ ዮናስ ገንዘቡ ከፊሉ፡ 'ዚዂሉ መሾምቢባ ማዕበላት ባሕሪ ከይተፈለጦ ንነዊሕ መገዲ ደቂሱ የሕለፎ። ስለዚ ድማ "ሰሪ መን ኮን እዚ ሽግር'ዚ ይወርደና ይህሉ!" ዝብል ስነ-ሞገት ኣብዝተላዕለሉ ግዜ፡ "ጠንቀኛታትሲ ንስኻትኩም፡ ሰንኪ ኣምለኽቲ ጣዖት ብምዃንኩም ኢዩ። ኣነ ካልእ ይትረፍ ብዜካ ፈጣሪ ካልእ ኣምላኽ ከምዘየብለይ ፈጣሪየይ ይፈልጥ'ዩ። ስለዚ ተነስሑ፡ ንኣምላኽ እመኑ!" ኢሉ ንክወቕሶም ብቑዕ ምኽንያት ነይርዎ'ዩ። ስነ-ልቦናኡ ግን ንኸምኡታት ዝእንግድ፡ ናይ "ካባኻስ ኣነ ይሓይሽ፡ ብምስራሕ ሓጥያትሲ ናተይ ይቐልል!" ዝብል ሓንሓኒ ኣእምሮ ዝነበሮ ኣቦ ኣይነበረን። ብዘገርም መልክዑ፡ "ናይ'ዚ ኲሉ ጠንቂ ተናውጾ ባሕሪ ኣነ'የ። እምበኣር ደርብዩኒ'ሞ፡ መርከብኩም ክትሃድእ፡ ብሰላም ድማ ናብ'ታ ጣዖት እተምልኹላ ዓድኹም ክትወስደኩም'ያ!" ብምባል ገዛእ ርእሱ ክሳብ ክንድዚ ንሞት ፈረዳ።ከም'ዚ ዓይነት ስነ-ልቦና፡ መንፈሳውያን ጥራይ'ዮም ዝውንንዎ። እምበርከ፡ እቶም ኣምለኽቲ ጣዖት'ውን፡ "በደልሲ ንሕና'ውን ፈጣሪ ገዲፍና ኣብ ጣዖት ስለእነምልኽ፡ ንፈጣሪ በዲልናዮ ኢና!" ከብሎም ዝኽእል እኹል ምኽንያታትኮ ነይርዎም'ዩ። ስጋውነት ግን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ክትፈርድ ተዘይኮይኑ፡ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ክትወቅስ ትብዓት ከምዘይህበካ፡ ንኣስተውዓሊ ብግብሪ መሃርዎ። (ዮና1፥12... እዚ ብርቱዕ ማዕበል ብሰረይ ከምዝበጽሓኩም ፈሊጠ ኣለኹ'ሞ... ንክሃድኣልኩም ናብ ባሕሪ ደርብዩኒ።)

√ ቀልጢፉ ዝጠዓስ ስነ-ልቦና

ኣስቆሮታዊ ስነ-ልቦና፡ ድሕሪ ጣዕሳ ናብ ነፍሰ ቅትለት ዝህንደድ'ዩ፡ ዮናስ ግን "ብሞት ቅጽዑኒ!" ዝብል ትርኑዕ ልቦና ነይርዎ።ብበደሉ ከም ይሁዳ ዝተጣዕሰን ዘስቈርቈረን'ዩ፡ ንገዛእ ርእሱ ግን ነፍሰ-ቅትለት ንክፍጽም ክፉትን ርሑውን ዕድል እኳ እንተነበሮ፡ እቶም ኣምለኽቲ ጣዕት ባዕሎም ክብይንሉ ቅሩብነቱ ገለጸ፡፡ ፍርዶም'ውን ከም ንተራ ኣቚሑ ናብ ባሕሪ ምድርባይ ክኸውን ከምዝግበኦ ቅኑዕ ፍርዲ መሃሮም። ኣስቆሮታዊ ነፍሰ ቅትለት፡ ስነ-ልቦና ናይ ዓያሹን ተስፋ ኣልባን ምዃኑ ኣይስሕቶን'ዩ፡፡ "ይግበኣኒ'ዩሞ፡ ፍረዱኒ!" ምባል ግን ኪኖ ሞት ፈጣሪኡ ከምዘይርስዖ፡ ብሕሉፍ ተመኩሮኡ ይፈልጥ ነይሩ'ዩ። ሕይወቱ ኣፍልጦ ፍርዲ ንዘይነበሮም ፈራዶ ኣሕሊፉ ሃባ።(ዮና1፥15 ንዮናስ ኣልዒሎም ድማ ናብ ባሕሪ ደርበይዎ)

√ ስነ-ልቦና ትውልድናኸ

ከም'ዚ ናይ ነብይ ዮናስ ዓይነት መንፈሳዊ ስነ-ልቦና፡ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም እንተዘይኰይኑ ኣብ ካልእ ብጭራስ ኣይርከብን'ዩ። ሎሚ ትውልድና ብከምዚ ዓይነት መንፈሳዊ ስነ-ልቦና ዝተሃንጸ ዘይምዃኑ፡እቲ ምኽንያት እንታይ ኮን ይኾውን፧ ንድኻም ስነልቦና እዚ ወለዶና፡ ነብይ ዮናስን እቶም ኣምለኽቲ ጣዖትን እቲ ባሕሪ ምስ ማዕበላቱን እቲ ዓሳን ኣፍ ኣውጺኦም ዓው ኢሎም እናሰበኹ'ዮም።

በረኸት ቅዱስ ነብይ ዮናስ ይኽፈለና።

ወስብሓት ለእግዚኣብሔር!!!

09.02.2020

onsdag 7. januar 2026

ልደት ኣስተርእዮ-ኣስተርኣየ፡ተስፋን ፍጻሜን አእላፋት ኮነ!



በስመ አብ ወወልድ ወንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!

ሰብ ብፍላይ ከኣ መንፈሳውን ኣማኒ እግዚአብሔርን ዝኾነ ሰብ ብተስፋ ኢዩ ዝነብር። 

ቅዱሳን መጽሓፍቲ ብዛዕባ እግዚአብሔርን ፈጣርነቱን፡ መጋብነቱን መሓርነቱን ብፍላይ ከኣ ምስ ደቂ ሰባት ዘለዎ ፍሉይ ፍቕሪ ዘርዚሮም ይገልጹ ‘ዮም። ማለት ኣብ ኣፈጣጥራ፡ ዝያደ ንደቂ ሰባት ፍሉይ ጥበብን ፍቕርን ከምዘርኣየ፡ ብዛዕባ ዕላማ ተፈጥሮን መግቦትን'ውን ደቂ ሰባት ሕልፊ ኲሉ ፍጥረት ከምዝተዓደሉ፡ ቅዱሳን መጽሓፍቲ ዘርዚሮም ይገልጹ።  

እወ፡ ‘እዚ ስኢነ፡ እዚ ደልየ’ ኢሉ ሰብ መታን ከይጭነቕ፡ ንሰብ ዘድሊ ዘበለ ኲሉ ዝብላዕ ዝስተ፡ ኣቐዲሙ ተቐሪቡ'ዩ። ብምስልን መልክዕን ኣምላኽ ዝተፈጥረ፡ እንኮ ሰብ ጥራይ'ዩ። እግዚአብሔር ብዛዕባ'ቲ ብምስሉን መልክዑን ዝፈጠሮ ሰብ፡ ከምዝወድቕን ከምዝፍረድን ኣቐዲሙ ይፈልጥ ስለዝነበረ'ውን፡ ንዂሎም እንተታት ዝሽፍን ኣምላኽ፡ ሰብ ካብታ ቅንዕቲ ፍርዲ ኣምላኽ ከምልጠሉ ዝኽእል ካልእ ዕድል ኣዳልይሉ ጸነሐ።

ወዲ ሰብ ብምኽሪ ጸላኢ ሰናያት ምስ ወደቐን፡ ናብቲ ዝነበሮ ክብሪ ብዘለዎ ክእለትን ዓቕምን ንኽምለስ፡ ብልቕሶን ሱባኤን ህርድግ ምስ በለን ድማ፡ እግዚአብሔር ንወዲ ሰብ ዘድሕነሉ መገዲ ኣቐዲሙ ከምዘዳለወሉን፡ ኣብዛ መከራ ዝመልኣ ምድሪ፡ (ቅድም ደብረ-ቅዱስ) ድሓር ግን ኣብ ምሉእ ምድረ ሓጥኣን ተባዚሑን ተዘሪኡን፡ ብዓቕልን ትዕግስትን ክጽበ ከምዘለዎ ነገሮ። 

“ኣዳም ድማ ንሰበይቱ ኣደ ኲሉ ሕያው ስለዝኾነት ‘ሔዋን!’ ኢሉ ሰመያ። እግዚአብሔር አምላኽ ድማ ንኣዳምን ንሰበይቱን ዲኖ ገይሩ ከደኖም።” እዛ ኣደ ሕያዋን ዝተባሃለት ሰበይቲ፡ ኣማናውነታ ብድንግል ማርያም ኲውንነት ረኸበ። እምበርከስ ሔዋን ዝወለደቶም ብሞት ግዙኣት ነበሩ። ድንግል ማርያም ዝወለደቶ ግን ንሞት ዝስዕር፡ ምንጪ ሕይወት ኮይኑ ንደቂ ሰባት ሕይወት ዝዕድል ኮነ። እታ ኣዳምን ሔዋንን ሕፍረቶም ንምሽፋን ኢሎም ዝለበስዋ ቆጽሊ፡ ድሓር ግን ቅያራ ብኢድ ፈጣሪኦም ዝተዋህበቶም ዲኖ፡ ምልክት መከራን ስቓይን፡ ምልክት ድሕነትን ቤዛነትን ክርስቶስ እተመልክት፡ ሕፍረት ኣዳም ብምልኣት እትሽፍን ምልክት ክርስቶስነት ነበረት። [ ዘፍጥረት 3፥20-21]

“ደጊሙ'ውን ከምዚ በለኒ፡ ኦ ኣዳም ኣይትሕዘን። ብፍታውካን ናጻ ፍቓድካን ትእዛዘይ ኣፍሪስካ ኢኻ። እንተኾነ መሓሪ ስለዘኮንኩ ናብ ስፍራኻ ክመልሰካ'የ። ዝኣተኹልካ ቃል ኪዳን ግን ሕጂ ዝፍጸም ኣይኮነን፡ ድሕሪ ቊሩብ ግዜ ክፍጸም'ዩ። ካብ ገነት ኣውጺኤ ናብዛ እሾኽን ኣሜከላን እተብቊል ምድሪ ዘንበርኩኻ ኣነ'የ። ኣብዛ ምድሪ'ውን ዝተወሰነ ዓመታት ብከርተት ክትነብር ኢኻ። ሕቖኻ ብእርጋን ክጉብጥ፡ ጒልበትካን ስጋኻን ክማስን'ዩ። ናይ ዕለት እንጀራ ንምርካብ መዋእልካ ክትጽዕር ኢኻ።

ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልትን ፈረቓን ግና፡ ክምሕረካ ይቕሬታ ይገብረልካ ኢየ። ካብ ብዝሒ ምሕረተይን ይቕሬታይን ተላዒለ'ውን፡ ናብ ቤትካ ክወርድ፡ ኣብ ናይ ወገንካ ከርሲ'ውን ክሓድር'የ። እዚ ኲሉ ምእንቲ ድሕነትካ ክብል ክፍጽሞ'የ። ኦ ኣዳም ሕጻን ኮይነ ምእንታኻ ክውለድ'የ። ምእንታኻ ክብል ኣብዛ ምድሪ ብእግረይ ክመላለስ'የ፡ ኣርባዓ መዓልቲ'ውን ክጸውም'የ። ምእንታኻ ክብል ብዙሕ መከራ ክቕበልን ክዕገስን፡ ኣብ ዕጸ መስቀል ክስቀልን'የ። እዚ ኲሉ ምእንታኻ ዝፍጸም'ዩ።”[ቀሊሜንጦስ 3፥17-20]

እዚ ተስፋ'ዚ ብግዜ ልደቱ ግህዶ ኮነ። መላእክትን ጓሶት ብሕብረት ንፈጣሪኦም ኣመስገኑ። ንሰባት ዝተዋህበ ተስፋ፡ ንቅዱሳን መልኣክት ውን ዓቢ ትንግርትን ሓጎስን እዩ ኮይንዎም። [ ሉቃ 2፣13-14፡ ኣንቀ ብርሃን ዘኮንኪ] ብልደቱ ዝጎሃየን ዝሓዘነን እንኮ ሰይጣንን ሰዓብቱን ጥራይ'ዮም።

ካብ ነገደ ኣሴር ዝኾነት ሃና ጓል ፋኑኤል፡ እርግናን ሓዳርን ከይገደባ ብድንግልና እናነበረት፡ ድሕሪ ሞት ሰብኣያ'ውን ሓዘንን በይንነትን ከይሰዓራ ልደት ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክሳብ ዝግለጽ፡ ብጾምን ጸሎትን ለይትን መዓልትን ንፈጣሪኣ ተገልግል ነበረት'ሞ፡ መወዳእትኡ ሓንቲ ካብቶም ብዛዕባ ልደት ክርስቶስ ኢየሱስ ዘርዚራ ከተረድእ ዝበቕዐት ኣንስቲ ሓንቲ ኮነት። እዚ ነቶም ልደቱ ንኽርእዩ ልዕሊ 300 ሰራዊቶም ኣኸቲሎም ካብ ርሑቕ ምብራቕ ሃገር ዝመጹ ሰለስተ ነገስታት ሰብኣ ሰገል፡ ምድረ ቤተልሔም ምድረ ልደት ኣበይ ምዃኑ ንኽርድኡ ዓቢ ሐገዝ ኮይኖም'ዩ። [ሉቃ2፥ 36-38፡ ተኣምረ ኢየስይስ 6-8]

ስምዖን ኣረጋዊ መንፈሳዊ ሰብ ኰይኑ፡ ብምሉእ ተስፋን እምነትን ኣብ ቤት እግዚአብሔር ኰይኑ፡ ልደተ ክርስቶስ ክሳብ ዝርኢ ብዓቕሊ ይጽበ ነበረ። ልደቱ ምስተፈጸመ ከኣ፡ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ምንጪ ፍልጠትን ብዛዕባ ልደት ክርስቶስ ዝሕተትን ሰብ ኮይኑ ተረኽበ።

“ድሕሪ'ዚ ከኣ ሰይጣን ናይ ክርስቶስ ዜና ልደት መታን ክሓቱ ነቶም ናይ እስራኤል ሽማግለታት ኣተንሰኦም። ንሳቶም እቶም ሽማግለታት ከኣ፡ ናብ’ቶም መምሃራን ናይ ሕግን ሊቃውንትን፡ ናብ ኒቆዲሞስን፡ ናብቲ ገማልያል ዝበሃል ኣቦ ሊቀ ዲያቆናት እስጢፋኖስን መልእኽተኛ ልኢኾም ኲነታት ልደት ከመይን መዓስን ኣበይን ከምዝፍጸም ሓተቱ። ቅዱስ ኒቆዲሞስ ከምዚ በሎም፡ ‘ ካህን ኣረጋዊ ስምዖን ንናይ ኣቦታትና መጽሓፍቲ ክትርጉም እንከሎ ዝተነገሮ ቃል ንዘክሮ። ንሱ እቲ ኣረጋዊ ንናይ ነብይ ኢሳይያስ ቃለ ትንቢት፡ ከይጠምዘዘ ድንግል ብድንግልና ጠኒሳ ብንግልና ወዲ ክትወልድ'ያ። ስሙ'ውን አማኑኤል ክትብሎ ኢያ፡ ኢሉ ካብ ቋንቋ እብራይስጥ ናብ ቋንቋ ጽርዕ ክትርጉም ምስ ተነግሮ፡ መልኣከ እግዚአብሔር ተገሊጹ፡ እዛ ድንግል ክሳብ እትወልድ፡ ብዓይንኻ ንምርኣይ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዕድመ ጸጊብካ ኣብ ዓራትካ ተጣቢቕካ ክትነብር ኢኻ፡ ኢልዎ ኢዩ'ሞ ንዑናይ ናብኡ ኬድና ንሕተት። ብሂወቱ እንተልዩ ክርስቶስ ከምዘይተወልደ ክንርዳእ ኢና። ሞይቱ እንተኾኑ ግና፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዝተወልደ ንፈልጥ።’ ኢሉ ቅዱስ ኒቆዲሞስ ሒዝዎም ናብ ስምዖም ኣረጋዊ ከደ።

 ተተሓሒዞም ናብ ቤት መቕደ ብምኻድ ድማ ረኺቦም ሓተትዎ። ስምዖን ኣረጋዊ ከኣ ‘ እወ ዕለተ ልደቱ ድሮ ተፈጺሙስ ተወሊዱ'ዩ፡ እነሆ'ኳ፡ ቃለ ትንቢት ጽሑፍ ክትጥምዝዝ ክትብል እግዚአብሔር ኣልሚስዋ ዝነበረ ኢደይ፡ ‘ኣነ ኣምላኽካ እግዚአብሔር ብስጋ ምስተወለድኩ ክትሓዊ ኢያ!’ ኢልኒ ስለዝነበረ፡ እነሆ ኢደይ ሓውያ ኣላ፡፡ ሃና ጓል ፋኑኤል'ውን ልደቱ ከምዝተፈጺመ ነጊራትኒ'ያ። ድሕረ ገለ መዓልታት ከኣ ነቲ ዝተወልደ ሕጻን ብዓይነይ ክርእዮ ኢየ።’ ኢሉ ስምዖን ኣረጋዊ ኣረዲኡ ኣፋነዎም። [ ተእምረ ኢየሱስ 6፥3-11]  

ንጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ኣብ ሻሙናይ መዓልቱ፡ ኣዲኡ ቅድስት ድንግል ማርያምን ዮሴፍ ኣረጋውን ሒዞምዎ ናብ ቤተ መቕደስ መጹ'ሞ፡ ሽዑ እቲ በዓል ራእን ተስፋን ዝኾነ ቅዱስ ስምዖን ኣረጋዊ፡ ነቲ ሕጻን ሓቚፉ ብምስጋና ከምዚ በለ። “ኦ ጎይታይ ደጊም ንባርያኻ ከም ቃልካ ብሰላም ኣፋንዎ። ከመይ ኣዕይንተይ ነቲ ምድሓንካ ርእየነኦ ኢየን።”[ወንጌለ ሉቃስ 2፥29-30] 

ስለዚ ኲሉ ብእምነትን ተስፋን ፍቕርን'ዩ ፍጻመ ዝረክብ። ኣብዛ ዓለም ድማ ሓቀኛ እምነትን ተስፋን ፍቕርን ከተስንቕ እትኽእል እንኮ እምንቲ ጎጆ፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን'ያ። ኲሉ ምንጪ ቅድስናን ግብረ ሰናያትን ብመገዲ ኢድ እግዚአብሔር ካብኣ እዩ ዝውሕዝ። ኣብ ቤቱ ምህላው ዳግማይ ኲሉ ሃብትታት መንፈስ ቅዱስ ክትቋደስ የኽእለካ። ኣብ ቤቱ ምህላው ፍጻሜ ልደቱን፡ ተስፋ ምጽኣቱን እናተበሰርካን እናሰነቕካን ከምእትነብር ትኸውን።

እወ፡ ቤቱ ምንጪ ልደቱ፡ ቤቱ ምንጪ ምጽኣቱ'ያ። ቤቱ ብኲለን ኣዕይንትን ዝምሕራ ኣእዳውን እግዚአብሔር ተኸሊላ እያ ዘላ'ሞ፡ ወትሩ ናብ ቤቱ ንኺድ። ቅንእን ተንኮልን ሰይጣን ዘይግድቦ ፍቕሪ እግዚአብሔር፡ ብልደቱ ደቂ ሰባት ከም ዝተበሰሩ፡ ሕጂ'ውን ብምሉእ ተስፋን ፍቕርን እምነትን ኣብ ቤቱ ንዝጸንዑ ተስፋ መንግስቱ ክወርሱ ዝኽክሎም የለን።

ምእንቲ ሰብ ተወልደ

ምእንቲ ሰብ ተሰደ

ምእንተ ሰብ ከርተተ

ስለ ሰብ ተኸትከተ

ምስ ሞት ተቓለሰ

ውልደትና ብልደቱ

ክብርና ብውርደቱ

ስደትና ብስደቱ

ሞትና ብሞቱ

ትንሳኤ ተስፋና

ኲሉ ብምሕረቱ

ቤቱ ኮነ መንግስቱ

ንዂልና ክውርሰና

ክመጽእ'ዩ ሕዥና ክኣቱ።

ርሑስ ቅንያተ ኣስተርእዪን በዓለ ልደትን!

ምንጭን መወከስን

          1.  ናይ ኤ. ኦ. ተ. ቤተ-ክርስቲያን ትምህርተ-ሃይማኖት
          2.  ኦሪት ዘፍጥረት 1፥26-27
          3.  ኦሪት ዘፍጥረት 3፥20-21
          4.  መጽሓፈ ኩፋሌ 4
          5.  1ይ ነገስት 9፥3
          6.  መዝሙር ዳዊት 84፥1-4
          7. ወንጌለ ሉቃስ 2፥13-14
          8. ወንጌለ ሉቃስ 2፥29-30
          9. ወንጌለ ሉቃስ 2፥36-38
          10. ሮሜ 8፥35-39
          11. 1ይ ቆሮንጦስ 13፣13
          12. ኤፌሶን 1፥3-6
          13. ገላትያ 4፥4-5
          14. ይሁዳ 1፥3
          15. መጽሓፈ ቀሊሜንጦስ 3፥17-20
          16. ተአምረ ኢየሱስ 6-8
          17. ተአምረ ኢየሱስ 6፥3-11
          18. ኣንቀጸ ብርሃን ኣንቲ ውእቱ ዘኮንኪ
          19. ስእሊ chat gpt
          20. ጥቕስታት ሰዓታት-ኦ ዘወረድከ፡ ትምህርተ ሕቡአት


ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉክቡር አሜን!

fredag 8. august 2025

ነገራት ካብ ክትሃንጾም፣ ከተፍርሶም ይቐሉ

 በስመ ሥላሴ!

ከምቲ ብዙሓት ኣቦታት ዝብልዎ፣ ምሕዝነት ይተርርን ይልሕልሕን'ዩ። ሕውነት ይትከልን ይንቀልን'ዩ፣ ፍቕሪ ይዕምብብን ይቕምስልን'ዩ። ሃብቲ ይዋህለልን ይንከን'ዩ። 'ንዂሉ ገግዚኡ ኣለዎ!' ከምዝበለ ጽሓፊ ቅዱስ ጥበበኛ ሰሎሞን፣ ኲሉ መመስርሑ ኣለዎ።


ሕንጻ ንምሕናጽ ነዊሕ ግዜን፣ ኣዝዮም ብዙሓትን ዝተፈላለየ ብልሓት ዝውንኑ ሰብ ሞያን ይጠልብ።ንኣብነት፣ ኣብቲ መጀመርታ፣ ስእልን ቅርጽን ሕንጻ ዘዳሉ ጆሜትራን፣ ልሳን ጆሜትራ ዘዳምጽ ኮንትራክተርን የድልዩሞ፣ ብኡኡ መጠን ኲሉ ስራሕ ሓደ ኢሉ ይፍልም። መሬት ዝምድምዱን ጎዳጒዲ ዝዂዕቱን ኣለዉ፣። ጸወርቲ ዓንድታት ናይ ካሻሽስትሩስ መሰረት ናይቲ ሕንጻን ይፍለም። ድሕሪኡ ቼሜንቶ ዘብዕጡ ሞኒባለ፣ ነዳቖ፣ ኤለክትርሻናት፣ ትቦታት ዘዋድዱ፣ ማቶኒ ዘንብሩ፣ ናሕስን ቦሎፎንን ዘንብሩ፣ ሕብሪ ዝለኽዩ፣ ሽንቲ ቤት ዘስተኻኽሉ. . . ኣዝዮም ብዙሓት በብመስርዖምን በብክፍሊቶምን ብትግሃት ይዓዩሞ፣ ድሕሪ ነዊሕ ግዜን ሃልክን ሕንጻ ይዛዘም። ልዕሊ ኲሉውን በብዓይነተን ማሽኔሪታት ኣብ ግምት የእቲኻ'ዩ። ነዚ ብዙሕ ዋጋ ዝተኽፍለሉ ሕንጻ ንምፍራሱ ግን ክንድቲ ብዙሕ ኣሸጋሪ ኣይኮነን።


ሕውነት'ውን ወዮ ደኣ ብዙሕ ሰብ ኣየስተብህለሉን'ዩምበር፣ ብቐሊል ዝትከልን ዝምእከልን ኣይኮነን። ካብ መሰረቱ ክሳብ ጒልላቱ ኣዝዩ ብዙሕ ውረድን ደይብን ዝጠልብ'ዩ። `ሓወይ`ዩ ሓፍተይ`ያ!' ኢልካ እትምክሓሉ/ላ ሓውካ ይኹን ሓፍትኻ፣ ብቐሊሉ ዘጥረኻዮ ሕውነት ኣይኮነን። ሓውካ ምዕባይካ ይኹን ምንኣስካ ኣብ መንጎኻ ክሕከኽ ዝኽእል ዘይመስል ስምዒት ኣሎ። እዚ ሕውነታዊ ስምዒት'ዚ ብላዛን መኣዛን ክብርን ምክብባርን ሓልዮትን ምትሕልላይን ኣርኣያን ምዕባይካ/ምንኣስካ ምርኣይን፣ ኮታ ኣዝዮም ብዙሓትን ንሓድሕዶም ዘይነጻጸሉን ገጸ-ባሕርይ ክህሉ ዝገብር'ዩ። ነዚ ሒዙ’ዩ'ምበኣር ሕውነት ናብቲ ዝለዓለ ደረጃ ዝዓኲኽ። ሕውነት ዘይሕከኽን ዘይድምሰስን ዝመስል፣ ንምድሳሱን ምብራዙን ግና ምንም ግዜ ክወስድ ኣይክእልን'ዩ። ዝተጻልኡን ዝተባተኹን ኣሕዋት ክንደይ ግዜ ዘየጋጠሙና። ብዙሓት ኣሕዋት ዝበኣሱን ዝናኸሱን ብቐሊሉ'ውን ዝከሳሰሩን፣ ምላልባሽ ሓዲኦም ንሕውነት ኢሉ ዋጋ ዝኸፍል ዝነበረ ክኸውን ይኽእል'ዩ። እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ቀልቀሉ እናጸረገ፣ ብሽንቱ እናጠልቀየ ሓዚሉ ዘዕበዮ ክኸውን ይኽእል'ዩ። እቲ ኻልእ'ውን ንስለ ሕውነት ክብል፣ ብያትን ሽንቲ ቤትን ጸዓዱ ሓጺቡ፣ ንሓዉ ካብ ዘይውጻእ ከፊሉ ዘውጸአ፣ ዘመርዓወ ዘደራጀወ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ሓው ንሓው ክብል ብዙሕ ክኸፍል ዘንቀሎ ሓይሊ፣ እቲ እናሸተቶ ዝዓበየ ናይ ስድራ-ቤታዊ ሕውነት'ዩ። እዚ ኲሉ ግን ብሓደ ግዜ ሃደሽ-ደሽ ንክብል ብዙሕ ዋጋ ኣይጠልብን'ዩ።

ናይ ሕውነትን ጓናነትን መንቀሊ፣ ፍቕር'ዩ። ማለት ሰብ ጓናኻ ዝኸውን ስለጸልኣካ ኣይኮነን። ሓውካን ሓላይኻን ዝኸውን ግን ስለዘፍቅረ'ዩ። በንጻሩ ሓውካ እንተርሒቕካ ወይ እንተነጺልካ ግን፣ ኣብ መንጎኻ ገለ ነገር ጎዲሉ ኣሎ ማለት'ዩ እምበር ስለዝእውደካ ወይ ሰለትእውዶ ኣይኮነን። እዛ ምስ ብዙሕ ሰብ ከተራኽብን ከተቀራርብን እትኽእል ዓቢ ሚና እትውንን ፍቕሪ፣ ንምፍራሳን ናብ ጽልኢ ክትቅየርን ብዙሕ ሃልኪ ትጠልብ ኣይኮነትን። ከምቲ ፍቕርን ሕውነትን ክትሃንጾ ነዊሕ ኣስካላን መደያይቦን ዘድሊ፣ ንምፍራሳን ምንቃላን ግን ደቓይቕ'ውን ኣይወስድን'ዩ።


ተመልከት፣-

ሃብቲ ከተጥርዮ ገዲሊ፣ ከተጥፍኦ ስድሪ`ዩ!

ዓወት ከተምጽኦ ረጽሚ፣ ክትከስሮ ቊልዒ`ዩ!

ፍቕሪ ክትተኽሎ ሃልኪ፣ ክትምንቊሶ ፈልሲ`ዩ።

ሕውነት ንኽበቊል ካብ ነዊሕ ዒላ ብገመድ ገሊልካ ማይ ተስትዮ፣ ንኽሓርር ግን ገመድ ምብታኽ ጥራይ'ዩ ዝደሊ።


ሕንጻ ንምሕናጹ ሓሽከት ጒልበት፣ ንምፍራሱ ግን ሓደ ቅልጽም ጥራይ ይኣኽሎ'ዩ።

እምበኣር ነገራት ይሕነጹን ይፈርሱን፣ ይትከሉን ይንቀሉን፣ ይዓብዩን ይቚጸዩን ደኣ ይኹኑ'ምበር፣ ካብ ክትሃንጾም፣ ከተፍርሶም ይቐሉ። መልክዕን ጽባቐን ሒዞም ዝረኣዩና ነገራት፣ ብድሕሪ መጋረጃኦም ኣዚዩ ብዙሕ ጥበብን ጻዕርን ተኾልኲሎም ስለዘለዉ'ዮም። ፈሪሶምን በስቢሶምን ዝረኣዩና ነገራት ግን፣ ምንም ዝረአ ይኹን ዝተሰወረ ነገር የብሎምን። ካብ ባርዕ ይኹን ማዕበል ክሳራ'ምበር ጥቕሚ ኣይርከብን'ዩ። ባርዕ ብንጣር ሓዊ፣ ማዕበል ከኣ ብሓንቲ ንጣብ ማይ ይጅምሩ። ኣሉታውያን ነገራት'ውን ከምኡ፣ ብንእሽቶ ይጅምሩሞ ዝበኣሰ ሓደጋ የውርዱ። ሓውን ባሕርን እንተጠንቂቕካሎም ጠቕምቲ'ዮም፣ እቲ መግቢ ኣብሲሉ ይምግበካ፣ እዚ ድማ መራኽብ ተሰኪሙ ዘድልየካ ነገራት ይጓርተልካ። እንተዘይኮነ ግን ሓደገኛታት`ዮም። ኲሎም ኣወንታውያን ነገራት’ውን ከምኡ፣ ኣሉታውያን ንክኾኑ ብዙሕ ዝጠልብዎ ነገር የብሎምን።


ማዕጺድሲ፣ ቀጥቂጥካ ክትሰርሓ’ዩ ሃልኪ’ምበር፣ ክትሰብራስ ጸዓርዓር ኣየድልየካን’ዩ።ከምኡ’ውን ዝፈረሱ ነገራት ዳግማይ ንምጽጋኖም ዝጠልብዎ ዋጋ ቀሊል ኣይኮነ። እወ፣ ማዕጺድ ናብቲ ዝነበረቶ ናብ ትኽ ዝበለ ሓጺን ክትቅይራ ይከኣል`ዩ፣ እትኸፍሎ ዋጋ ግን ቀሊል ኣይኮነን!


ስብሐት ለእግዚአብሔር ለዘአብጸሐነ እስከ ዛቲ ዕለት!




onsdag 6. august 2025

.......ትውልዲ ከሲሩ - ጓና ከሲቡ...!

በስመ ሥላሴ

ትውልዲ ከሲሩ
ኣብ ሰጣሕ ሜድያ
ምውዓሉ ምሕዳሩ
ብኣልቦ መሃያ
ደረቱ ገቲሩ
መሲልዎ ምያ
ክሻየጥ ብኽብሩ

"ኣየኸ ትውልዲ
ሕደግ እንዶ ልብኻ
ይእቶ ዓዲ
ኣይትሽጥ እንዶኻ
ኣይትሃቦ ንባዕዲ"
እናኽብል ለባም
ስኢኑ ሰማዒ
ዕርቃን ተቐሊዑ
ጸላም ገሪምዎ
ገጠር ተረሲዑ
ጎደና ክዒብዎ

ናይ ሎም ትውልዲ
ብዛዕባ ወለዲ
ነይብሉ ግዲ
እግዚሔር ኣይፈርሕ
ከምሰቡ ኣይበልሕ
ኣይጸመአ ኣይጠመየ
ኲሉ ከም'ተኸለአ
ክብረቱ ብርካሽ
ሕፍረቱ ንኣቕራሽ
ሸይጡ ደርብይዎ
ጓና ከሲብዎ
ክብሪ ትውልዲ
ብሕሳር ዓዲግዎ!

ብዋጋ ትውልዲ
ጓና ከሲቡ
ብዘይሳንቲም ሰልዲ
ቆፎኡ ዘቕቢቡ
ትውልዲ ከሲሩ
ረሲዕዎም ሰቡ
መዓሩ ዓርዒሩ
ጓና ተደሪሩ
ሕይወት ብዕንወት
ሕልና ብዕርበት
ናይ ጽባሕ ድራሩ
ኲሉ ተበርቢሩ
ጓና ሃጢሩ
ትውልዲ ከሲሩ
መጻኢ ቀምሲሉ
ብርሃኑ ሓሪሩ
ትውልዲ ዓቢሩ-ጓና ሃጢሩ!
24.March 2025.

fredag 11. juli 2025

ተቐማጢ-ዲያስኮራ ወዲ ዲያስፖራ....!

"ስርሓትካ ወርቂ

ብህሎኻ ሓቂ

ሳላኻ ተሓሊፉ ዓጸቦ

ተሰጊሩ መጻብቦ

ከብድና ሓምሊ ተጸይኑ

ብጡዕም ብልዒ ተዊኑ

ዝዓረቐ ዝባንና ኣመስጊኑ

ሳላ ሓዋላ ድኻ ተሳኢኑ

ሳላኻ ተመርዒና

ብጁባኻ ኮርዒና

ተቐማጢ ዲያስቆራ

ናይ ቆፎና ኣውራና

እቶት ናይ ኤርትራ

ክትሰርሕ የንብርካ

ሞት ይጸየንካ!"


ይብሉ የዕልሉ

ብዛዕባኻ ኣብ ዓዲ

ባዶነት ጁባኻ

ውሻጠ ቃንዛኻ የግዲ

መን ይንገረልካ

ዲያስፖራ ምስፋርካ

መን ይቀንዘወልካ

ናይ ምንባሮም ዓንዲ

ንምዃን ኢኻ ዝመረጽካ ባዕዲ


ኣዋርቕ ተኸፊሉ ሳህራ ክትስንጥቕ

ኣረውሕ ተሽይጠን ባሕሪ ከይትጠልቕ

ነጋዶ በኣኻ ይዋጠጡ

ሰምሰርቲ ብነዓይ-ንዓይ ይፋጠጡ

ዘይትነጽፍፍ ሕልቦ

ንምዃን'ዩ 'ኮ 'ዚ ዂሉ መጻብቦ

ርሑቕ ሰፊርካ

ማሕዲግ ካብ ዓደ-ቦ


ትደክም ኣይመስሎም ትበኪ

ትስእን ኣይመስሎም ትደኪ

ተበሃጊ ኮይንካዮም ዘይትስልኪ

ኲሉ ንዓይ-ንዓይ ይብለካ

ውዕዉዕ ዕዳጋ ተገይሩልካ


መስገሪ እግርኻ እልፊ

መምለሲ ሬሳኻ ብዘይትርፊ

ምዃኑ ግን መን  ይፍለጠልካ፧

ብዘይካ ፈጣርስ መን ይሕለየልካ!


ብድሆ ናይ ዲያስፖር

ዕግርግር ብኣኻ ይጅምር

ብኢንተርኔት ምንቛር

ደናጒላ ምድርባይ

ሰልፊ ናይ ኣደባባይ

ረበሻ ቤተ-ጸሎት

ምድፋር ንካህናት

ምቕታል ንዛቚኖት

'ታይ ዘይተሰምዐ

'ታይ ዘይተራእየ

መንከ ዘይነበዐ!


ብጭንቀትን ስእነትን

ኣእምሮኻ ክትስእን

ኣብ ኲሉ ክትክላእ

ነብስኻ ክትጸልእ

ኣብ ሜድያ ምውዓል

ኣብ ሜድያ ምሕዳር

ከም ነቡር ለሚዱካ

ምቕታል ነብሲ-ማትካ

ኣብ ማሕዩት ምስፋር

በጃ ንእስመትካ

በጃ ስደትካ

ብዘይካ ፈጣርስ

መን ይደንግጸልካ


'እንተትምርዖ እንተትወልድ

እንተትትከል እተትዘምድ'

ኢሉ ዝሓልየልካ ተሳኢኑ

መጻኢ ወለዶኻ ቀሪቡ ክዓኑ


ብዘይንቡር ትሕጸ ብዘይንቡር ትምርዖ

ዘይንቡር ሽሻይካ-ጓናኻ ይበልዖ

ዘይንቡር ጓይላኻ ጓና ይስዕስዖ

ብዘይንቡር ትፋረ ዘይንቡር ትወልድ

ጥምቀትን መርዓን ብሓደ ተዋድድ

ሕጻናት ደቅኻ ብዘይናቶም ይዓብዩ

ንስኻን ኣሕዋትካን እናሻዕ ትጓነዩ

ጎራሓት ሰብ ረብሓ ብኣኻ ይዋገዩ

ፓርላማ ወጻኢ ብድምጽኻ ይለሃዩ

ወዲ ዲያስፖራ

ናይ ጽንተት ኣውራ

ትረኽቦ መከራ


እምበኣር ኣነ

ሓንቲ ክብለካ ስምዓኒ

ከዘኻኽረካ ህ...! ልመደኒ

ዲያስቆራ ክትቀምሶ ምራራ

ክትርእዮ ዞዓር ክትለምዶ ኣንቆራ

ክትረብሓሉ'ውን ኣይምሰልካ ብሽጣራ

እንታይ ደኣ ኲላ ብሜላ!


ምኽንያት መስደዲኻ ዘይምርሳዕ

በትሪ ጎራሓት ካብ ምዃን ምጥንቃቕ

ስቕታ ጸዓዱ ምልማድ

ሽጣራ ዲያስፖራ ምኽሓድ

እዚኣ ከኣላ

ዕላማኻ ዘይትወቅዕ ወንጭፍሲ

 ኔው ደኣ በላ

እወ ኔው በላ!

ChatGPT's created image

Diasporas' tear!

The image is created by ChatGPT

mandag 7. juli 2025

ተዛረብ-ጒድጓድ፡ ተዛረብ-መቓብር!

በስመ ሥላሴ

ተዛረብ-ጉድጓድ ተዛረብ-መቓብር


ንሰብ ፍቕሪ ጎዲልዎ

ቅርሕንቲ ቂም በቐል ዓብሊልዎ

እጅገ ንነገር ክስብሰብ

ልቢ ጽልኢ እንክሕለብ

እናረኣኻ'ዚ ዂሉ ምርብራብ

ተዛረብ'ንዶ ጉድጓድ

እንተስ ኣልቃሲ ክመዓድ

እንተስ መዋቲ ክስምብድ

ደርጒሕ ድምጽኻ

ብዓውታ ወይ ብሕሽኽታ

ኣንጎድዶ ኣስምዓና ስምዕታ


ረኣዮ'ሞ ነዚ ሰብ

ዕርቁ ተሰዊሩ ነውሪ ጋሪድዎ

ምእካብ ኣብ ቀብሪ ንቡር ገይርዎ

ዘፍቀረ እንክመስል ንብዓቱ ይዛሪ

ከምዝተዓረቐ ይእከብ ኣብ ቀብሪ

ፍቕርን ዕርቅን'ዶ ድኣ ሬሳ ምነሰኦ

ንሰብ'ዶ ኣይኮነን እዚ ኲሉ ዝግበኦ

ካብ ብሓሽከት ንብዓት ንመዋቲ ዘሰኒ

ምትሕልላይ ኮነ ቊንጣሮ ፍቕሪ

ቅድሚ ሞቱ ንሓድሕዱ ተዘሳኒ

ክንደይ ኮን ምርሓቐ'ዚ ኲሉ ግኒ!


ግን ኣንታ ጒድጓድ

ብዘይ ነግ-ፈረድ

ንሰብ ነዚ ማንም ዘይደፍሮ

ደፊርካዮ ስሙ ብሬሳ ቀይርካዮ

ታሪኹን ዝንኡን ከይፈራሕካዮ

ንምውሳዱ ንቡር ጌርካዮ

ናብ ጒድጓዱ

ለካ ከይፈተወ ይውሰድ ተገዲዱ


እዚ ቀባሪ ደኣ ብንታይዩ ኣፍረሓካ፧

ውሽጡ ብነውሪ ደጊኡ ብፍቕሪ

ብይምሰል ጻዕዳ ጸምሪ ጻዕዳ ልብሲ 

ለቢሱ ከልቅስ ክወግሕ እንክመሲ

እንተረኣኻዮስ ካን ካብ ቅድሙ

ኣፍቃርን ሓላዪን መሲልካ

ሕተቶ'ዶ ዋላ ነቲ ሬሳ

ብቋንቋኹም ተረዳድኡ ተመሳኸሩ

ስበኸና ገለ እንተኾነና መለሳ

ዓው ኢልኩም ጨድሩ

ሓቀኛ ጽልኢ ክመሖ ካብ ስሩ

ሓቀኛ ፍቕሪ ክበቊል ከስፍሕ ሰራውሩ

ተዛረብ ጒድጓድ ቀባሮ ከይተቐብሩ


ስቕታ ግን ጒድጓድ

እንታይ'ዩ ጥቕሙ

እንትርፎ ክገድድ ምጽልላእ

መዓስ ከይጅምር ምምልላእ

ንሰብ'ሞ ብዜይካኻ መን'ዩ ክእርሞ

ሕደግ መቓብር ስቕ ኣይትበል

ነቲ እትፈልጦ ኣይትዓባብጦ

ጉድና ክእለ

መገድና ክዕረ ሓዲኡ በል

ኣፍካ ብኽፍቱ ዓባስ ኣይትምሰል

እወ!

ዋላ ሓንቲ ቃል ተዛረብ

ንልቕሶ ቀባሮ ካብ ትሰትሮ

ብምዕሮ ወይ'ውን ብቚንጣሮ

ልብናሞ ቅልዓዮ በርብሮ

ኣስምዓዮ ድምጽኻ ሓንቲ ቃል ንገሮ


ሽዑ ሰብ ክጅምር'ዩ ክሓሊ ንሰብ

ኲሉ ክእከብ'ዩ ብፍቕሪ ክላዘብ

ሰማይ'ውን ምኸፈተ ኣእዛኑ

ብዘይ ምርብራብ በረኸቱ ክፍኑ

ደርቂ ብሽሻይ ምተቐያየረ ሚዛኑ

ስቕ ብምባልካ ግን ጒድጓድ

ብዘይካ ጽቡቕ ኲሉ'ዩ ተሳኢኑ!

ሎቱ ስብሐት!!



fredag 20. desember 2024

ሸቃጢ-ወረ፡ ሸያጢ ሓሳብ...!!


በስመ ሥላሴ

ሸቃጢ-ወረ፡ ሸያጢ ሓሳብ...!!

 መዘና ነይሩና ካብ ኲሉና ዝወዓየ

ኣኸዓየ ከይተባህለ ኣብ ካልኡ ዝዓበየ

ሰማይ ከይነጐደ ከተማ ዝረኣየ

ሰልዲ ዝለመደ ጥሪት ከይጓሰየ


ነይሩ ዓርክና ንፉዕ በዓል ሸቐጥ

መሃብን ምቕባልን ኣጸቢቑ ዝፈልጥ

ልሳናት ዘብዝሐ ዝረስዐ ናይ ኣዲኡ

ብህሮሩማ ጽሓይ ዝኾልል ፈቐድኡ

ፈቐዶ 'ናኣውተቡስ ፈቐዶ ከተምኡ

ሸቂጡ-ሸቓቒጡ ዘደንፈዐ ጅቡኡ

ዓድና ተመሊሱ ምስ መለአ እንጀርኡ

ዱንኳን ተኺሉ ብወዝቢ

ሕዝቢ ናብ ዱንኳኑ ዓሲሉ

ደሓራዩ ግን ኣይግድን እንድዕሉ

ናይ መዘና ገይርናዮ ኣዚና ሻቒልናሉ


ክልተ ኴንና ኬድናዮ 'ንከሎ ኣብ ዱንኳኑ

ስለዝሰጋእና ሸቐጡ ከይዓኑ

ምኽሪ ይኹን ሰልዲ ከይሰኣኖዶ ዋጋ

ድግፍ ከነብሎ ከይከሰረ ብኣጋ

ኢልና ዝመጻናዮስ ኣስሚዑና ጉዱ

ክንውከሶ ጀሚርና ከመይ'ሉ

ከምዝተመልሰ ዓዱ

ከመይ'ሉ ክዓብን ክወድቕን ከምዝጀመረ

ተወኪስናዮ ደጋጊምና በብእብረ

ንሱ ግን ስሒቕና ልቡ'ናትረረ

ብሜላ ኣረዲኡና ካልኡ ከምዝቐየረ


ሓሳባት ዓዲጉ ሓሳባት ከምዝሸይጥ

ልምድና በቲኑ ልምዲ ጓኖት ኣብ ማእከልና ከቐምጥ

ከምዝኾነ ስርሑ ነገረና ኣርሚሙና

ያኢ ንሱ ህርድግ ይብል ምሳና ክመያየጥ


ጉዳም'ዩ ነገሩ

ዘይትረአ ሸቐጥ ስውርቲ ዱንኳን ቀይሩ

ዝተመምየ ዘይተመምየ ወረታት ኣኻኺቡ

ናብ ሕዝቢ ይሸይጥ ብዕጽፊ መኸሰቡ

ወረ ገፊጡ ወረ ይዝርግሕ

ሓሻካ ንሕና ከም ሩዋንዳ 

ነንባዕልና ክንጉያሕ

ኣካ ንሱ ከም ዓውዲ መኼዳ

ብእኽሊ ብሰልዲ ጅቡኡ ክሰብሕ

ምስ ነቓሕና ግን ለካ ተረዲኡና ቊንቊንኡ

ማዕከን ዜና ክተልክ'ዩ'ቲ ነይሩ ዕላምኡ

ህዝቢ ከናቚት ደቀ-'ቡኡ ደቀ-'ዲኡ


"ኣየ ዓርክና!" በለ'ቲ ካልኣየይ

ኣርሚምዎ ስራሕ ናይ ኣኻዓየ!

ተቛይቑ ገሲጽዎ

ምዒዱ ንዓጋቢ ሂብዎ


"ስማዕስከ መዘና!" በለ፡

"ምልዖ-ዓየ ከይጸገብና ጀሚርካልና ኮረሜለ

ኣሽንጦ 'ናኰዓትና ጀሚርካ ብርለ

ዓንቋ ከይጸገብና ኣሪኢኻና ኣራንሺ-ሜለ

ብዕሪር 'ና ሓየኽና ኣቕኒእካና ብማስቲካ

ኣብ መጽዓኛ 'ናሃለና መኪና ሰሪርካ

ካብ ካኪ ከይወጻና'ውን ጅንስ ተኸዲንካ

ጥሪት'ናወፈርና ዱንኳንካ ተኺልካ

ግርም!


ንሱስ ደለ ምኾነ ሕጂ'ዩ ዝገደደ 

ሕዝቢ ዓድና ንዕዳጋ ብእግሩ እናኸደ

ሰቲርካዮ ኔርካ ዕዳጋ ኣምጺኻሉ

ዕዳግኡ ሸቐጡ ቀረባ ገይርካሉ

በዚ ተሓጒስና በቲ ግን ጒሂና

ስግኣት ኴንካዮ መጻኢ ትውልድና

ጉድ ለሚዶም ናይ ዓድና ቆልዑ

ዱኳንካ ዘልመዶም ባህሎም ተረሲዑ

ዘይስተ ክሰትዩ ዘይብላዕ ክበልዑ

ቀጠፍ-ጠፍ ለሚዶም ልምዶም ተመንዚዑ

ኢልና ስግኣትና ከይወዳእና

ሕጂ ከኣ ሓድሽ ኣምጺኻልና!"


ኢሉ ደርዲርሉ ኲምራ ሓሳብ ኲምራ ምኽሪ

ኣነ'ውን ምኽረይ ደጊመሉ

ዱንኳኑ ከይተምጻልና ነፍሪ

ሸቐጡ ከየፍርየልና ነውሪ

ቃንዛይ ምረተይ ደርጒሐሉ

ትውልዲ ከይሓድግ ናይ ዓዲ

ከይሓቅቕ ኣሰሩ ምርቓ ወለዲ

ኣብ ዱንኳኑ ከይዕደግ ከይሽየጥ ናይ ባዕዲ

ኢለ ሕሩመይ ተቛይቘዮ

ገለ ተሰምዓኒ ልክዑ ኣስሚዐዮ

ሓቢርና እምብልና ኢልናዮ


ምስጢሩ ንህዝብና ኣረዲእና

ሓሳብ ኣይንሸይጥ ሓሳብ ኣይንዕድግ

ባህልና ኣንልውጥ ሃይማኖትና ኣይንሓድግ

ኲልኹም ለባማት'ውን ዓገብ ኣባሃሉና

ጽቡቕና ከይበንን ከይርሳዕ መልክዕና

ትውልዲ ከይዓኑ ዱንኳኑ ይዕጸወልና

ሸቃጢ ወረ ሓሳቡ ይኣክበልና!


"በዚ ዓመት'ዚ ሓደ ወረ ክውረ፡ በቲ ዳሕራይ ዓመት ድማ ካልእ ወረ ክውረ፣ ኣብ ሃገር ከኣ ዓመጻ ክስልጥን፣ ገዛኢ'ውን ኣብ ልዕሊ ገዛኢ ክለዓል'ዩሞ፡ ኣይትሰንብዱ! በቲ ኣብታ ሃገር ዚስማዕ ወረ ከኣ ኣይትፍርሁ (ኤር 51፥46)

"ምጅማር ቈየቛ፡ መንደቑ ከምዝጠሓሰ ቐላይ'ዩ፡ስለዚ ናብ ምሕርቃም ስኒ ከይበጸሐ፡ካብ ቈየቛ ርሓቕ!!"(ምሳ17፥14)

ሎቱ ስብሐት!


.....ስነ-ልቦና ነብይ ዮናስ....!!

    በስመ ሥላሴ! ስነ-ልቦና ቅዱስ ነብይ ዮናስ ከመይ ይመስል ነበረ፧ እዚ ሕቶ'ዚ በዚ ቅነ'ዚ ማለት፡ ኣብዚ ካብቶም ሸውዓተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ሓደ ዝኾነ ጾመ ነነዌ፡ ወተረ ዝሕተትን ዝምለስን መንፈሳውን ...