onsdag 6. august 2025

.......ትውልዲ ከሲሩ - ጓና ከሲቡ...!

በስመ ሥላሴ

ትውልዲ ከሲሩ
ኣብ ሰጣሕ ሜድያ
ምውዓሉ ምሕዳሩ
ብኣልቦ መሃያ
ደረቱ ገቲሩ
መሲልዎ ምያ
ክሻየጥ ብኽብሩ

"ኣየኸ ትውልዲ
ሕደግ እንዶ ልብኻ
ይእቶ ዓዲ
ኣይትሽጥ እንዶኻ
ኣይትሃቦ ንባዕዲ"
እናኽብል ለባም
ስኢኑ ሰማዒ
ዕርቃን ተቐሊዑ
ጸላም ገሪምዎ
ገጠር ተረሲዑ
ጎደና ክዒብዎ

ናይ ሎም ትውልዲ
ብዛዕባ ወለዲ
ነይብሉ ግዲ
እግዚሔር ኣይፈርሕ
ከምሰቡ ኣይበልሕ
ኣይጸመአ ኣይጠመየ
ኲሉ ከም'ተኸለአ
ክብረቱ ብርካሽ
ሕፍረቱ ንኣቕራሽ
ሸይጡ ደርብይዎ
ጓና ከሲብዎ
ክብሪ ትውልዲ
ብሕሳር ዓዲግዎ!

ብዋጋ ትውልዲ
ጓና ከሲቡ
ብዘይሳንቲም ሰልዲ
ቆፎኡ ዘቕቢቡ
ትውልዲ ከሲሩ
ረሲዕዎም ሰቡ
መዓሩ ዓርዒሩ
ጓና ተደሪሩ
ሕይወት ብዕንወት
ሕልና ብዕርበት
ናይ ጽባሕ ድራሩ
ኲሉ ተበርቢሩ
ጓና ሃጢሩ
ትውልዲ ከሲሩ
መጻኢ ቀምሲሉ
ብርሃኑ ሓሪሩ
ትውልዲ ዓቢሩ-ጓና ሃጢሩ!
24.March 2025.

Ingen kommentarer:

Legg inn en kommentar

ፍጻሜታት-ሎሚ...ከመይ ውዒልካ/ኪ፧

  በስመ ሥላሴ ከመይ ውዒልካ/ኪ፧ ሎም መዓልቲ ዕድላቱን ዓውድታቱን ጸቢቕሉ፡ ክሕጎስ ዝወዓለ ሰብ ኣሎ። ብሰንኪ'ጺ ኲነት'ዚ ብሓጎስን ብስጭትን ተባሒቶም ዝወዓሉን፡ ዝተፈራረቐ ስምዒታቶም ብናህሪ ዝበረኸን ሰባት...