søndag 18. juni 2017

ቀርኒብ


በዚሐን ዘን ቅርኒብ
ዓይነይ ከይስለብ
ልበይ ዑረት ከይሕለብ

ካዕቦአን ኮይኑ ደስታ
ኣሸበን ይዕጸዋ
ኣሻበን ይኽፈታ
ንዘይግቡእ ከይሰልመታ
ነቲ ጉቡእ ግን ይዕመታ
ቀርኒብ ለቖታ
ንእኽሊ ገዲፈን ንሓጥያት ዝግብታ

እንታይ ጣቃዩ ዘይሩኡይ ዘሪኣኒ
ንዝረአ ዝኸልኣኒ
ነቲ ቅዱስ ተኸልኪለ
ነቲ ርኹስ ኣገናዕ ተባሂለ
ቀርኒበይ!

ንዕነባ ተኣዘዛ
 ናብዚ ገዲፍክንሲ
ናብቲ ትጥምዘዛ
ይሰምዓኮ ኣሎዋ የእዛን ክዕልሉ
እነሀዉ ይሽብሽቡ ብመንፈስ ይዘሉ
ተኸፈታባ ክርእያዘን የዒንቲ
ምስኦም ይሕሸን ካብ ምስቶም ተላሃይቲ
ነቶም ረቂቓን ህያዋን መናፍስቲ
ነቶም ሊቃናት ኣሕሉቕ መልኣክቲ
ልበይ ናፊቓቶም መቂሩዋዩ ግዲ
የግዲ፣
ንስኽን ጥራይ ሕራይ በላ
ልቢሲ ኣላቶ ባዕላ
ዝማሬቶም መዛሙራን ውቃበ ዓይኒ
ደርፊቶም ተላሃይቲ ሓበላ ዓይኒ
መልክዕትን ቅዱሳን እምብዛ ሳዕሪሩ
ሸውሃተ ልበይ ብስእሎም ተደሪሩ
ንሳቶም ክዝምሩ
ሕልናይ ከማዕዱ ደስታኣ ነይሩ
ቅርኒብ ብምእባያ ግን ልበይ ኣማሪሩ
ኣየ ልበይ ምስኪን
ንሳ እንክትናፍቕ
ብሰንኪ ቅርኒብ ግን ጠጥዑሙ ተኸሊእክን

ብሰንክኽን፣
ብሰንክኽን ቅርኒበይ ትኽስታ ኮይኑ
መልክዕቶም ቅዱሳን ካባይ ተሰዊሩ
ንዕነባ ተኸፈታ
ሕራይ በላኒ ኣይትሰልምታ

መልክዕቶም ስጋውያን
ሕፍረቶም ተቐሊዑ
ልበይ ነቢዑ
ንብዓቱ ንውሽጢ ነዚዑ
ንዓኽን ጽጋብ ንልቢ ግን ዓጸቦ
ዓጸቦ፣
ነቲ ነውሪ ተኻቲኽክናኒ ንኽሪኦ
ንሕልና ዝወግኦ
ጭማራኡ ሓጥያት ሰይጣን ዝጠጀኦ
ኣየ ጭማራ፣
ቀርኒበይ ግዳ ኣበይ ኢለነኦ

መጽሓፍ ተገንጸለ
ቃላትቲ ሰባኺ ፈልፈለ
ልበይ ሰምዓቶ
ቃል ፈጣሪኣ ብድምጹ ፈሊጣቶ
ኣላልያቶ፣
ናይ ምጽኣት ጥሩምባኡ ናፊቓቶ
ፍትወይ እንክትብል እምብዛ ቀሪባቶ
መሓሪት ልቡ ኣላልያቶ
ናብቲ ሕልፍኙኡ ንምእታው ብሂጋቶ
ሰሓበኒሞ ተተሓሒዝና ክንጎዪ
ኣነ ክእዘዘካ ንስኻ ክትዓዩ
ኢላ ልቢ ውዕል እንክትፍርም
ቀርኒብ ግን ሓንጊዳ
መርዓዊ ገዲፋ ውሽማ ለሚዳ

ኣየ ሰይጣን ዘይደሓን ውሽማ
ንቀርኒብ ኣታሊሉ ንልበይ ኣሕሰማ
ልበይ ድንግልናኣ ፈሪሱ
ፈጣሪኣ እንክትርኢ ንብዓታ ፈሲሱ
ፈሲሱ፣
ዶምዝ ዘይብሉ ንብዓታ
ክንዲ ንስሓኣ ድዩ ዝኹሉ ገበታ
በይና ነቢዓቶ
ቅድስና ዘየብሉ ክንድዚ ተነኽኒኻቶ

ሓይሊኮ ነይርዋዛ ልቢ
ንቀርኒብ ክትመርሕ
ናብቲ ደገኛ ምሕህረቱ ወሃቢ
ኣብ ቅድሚኡ ክትነብዕ
ዶሞዛ ክትሓፍሶ
መንግስቱ ክትወርሶ
ሲኦላዊ ገርገራ ክተፍርሶ
ተታሊላ ግን ዛልቢ
ቀርኒብ ኮይነነኣ ወዝቢ
ዘይሓሰበቶ ወዝቢ
ንሰን ይኽፈታ ምስ ጽድቂ ይማጎታ
ሓጥያት ሰሊኹ የዒንቲ ምስተኸፈታ

ኣየ ቀርኒበይ ሰንቀ
ሑጋ ኮይኑኒ ናይ ሰይጣን ማህጸ
ኣታሊልወን ሰይጣን፣
ጥዑያት እንክመስላ ከምዝነብዓ ገይርወን
ኣብቲ ዘይንበዖ ኣንቢዕወን
ንዘይጡዑም ጡዑም ኢሉወን
ናብ ዘይመንገደን ኣዘንቢልወን

ተታሊነን ቀርኒብ
ምእንቲ ክእክባ ብሓጥያት ክስለባ
ሓጥያት ክሰሉኽ ንሕልና ክኸባ
ኣጛቡዝ ንኽዝረፉ ለኽይወን ኩሕሊ
መልክዐን ረሪኦም ክወድቁ ናብ ባሕሪ
ኣየ ሓጥያት ባሕሪ
ጸረ ልቢ ጸረ ሕልና ጸረ ፈጣሪ
ኩሒልንስ ተሰዊጡ
ኣብተን ዝተኻሓላ ሰይጣን ተቐሚጡ
ኣንጻር ሕልና ድግዲጊት ኣብ ቀርኒብ ተኾይጡ

ቀርኒበይ ሕደጋ
ናብቲ ገዲፍክን ናብዚ ኣቕልባ
ኢንተርኔት ገዲፍክን መጽሓፍ ተመገባ
ወልፊ ተሓሪምክን ናብ ዘፈር ክዳኑ ልገባ
ዘፈር ክዳኑ
ሕሙማን ብኡኡ ዝደሓኑ
ሓጥኣን ብኡኡ ዝኾነኑ
ካብ ርሒቕክነዎ ትኹነና
ልገበኦ ጥፍሒ መንግስቱ ተዓዘበኦ
ቃሉ ይሕሸክን ንዕነ ረዓመኦ
በጃኽን ኣይተሓሰመኦ

እቲ ሰባኺ መጸ
መጸ መለኸቱ ነፊሑ
ድምጺ መቃልሑ
ናብ ልቢ ክኣቱ ንየእዛን ካሕኪሑ
እነሆለ ብርሃኑ ደጊሑ
ሓቀኛ ጩራ ናብ ልቢ ደጊሑ
ደጊሑ
ነፍሲ ተደሲታ ሰሚዓ መጛልሑ

ቀርኒበይ ሐራይ በላ
ናብቲ ብርሃን ዝመስል ኣይትዝለላ
ብርሃን ነይኮነ ሓሻካ ኣይትታለላ
ኣብቲ ጸልማት ኣይትኹለላ
ምእንቲ ሓጥያት ኣይትኮሓላ
መንዩ ክሕጎሰልክን ንመን ትኮሓላ
መርዓዊ እንከለክን ናበይ ትሕክላ
ሐራይ በላ ቀርኒብ
ሕልና ክትሕምበብ የዒንቲ ክሳገራ
ኣብቲ ማዕዶ ቅድስና ሓቢረን ክነብራ

ወስብሀት ለእግዚኣብሄር

lørdag 10. juni 2017

መጽሓፈ ሄኖክ ኣንድምታ ብኣምሓርኛ

http://books.good-amharic-books.com/haynok-1.PDF

"መኣዲ መስ ሶርያዊ!"

በስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።

"መኣዲ መስ ሶርያዊ!"
፨፨፨ ፨፨፨ ፨፨፨
ኣዚኻ ብዝጠመኻሉ ዕለት ኢዩ ንበል፡ኣብ ቅድሜኻ መግቢ ተቐሪቡልካ ንስኻውን ንምብላዕ እንክትቀራረብ፡ሓደ ኣቦ ነቲ መኣዲ ንኽባርኹ ተንሲኦም።ኣቦ ናይ መኣዲ ጸሎት ቁሩብ ኣንውሕ እንተዘብልዎስ እንታይ ምተሰመዓካ፧

መቸም መዓናጡኻ ብጥሙዩ፡ብኣፍካ ኣሜን እንዳበልካ ብልብኻ ግን ምርጋምካ ኣይተርፍን።" ኣነ ነቲ ጸሎት መዓስ ኢየ ዝጸላእክዎ፧ ነገር ግን ሰሎሞን 'ንኹሉ ገግዚኡ ኣሎዎ' ኣይበለን ድዩ፧" እንዳበልካ ምስ ገዛእ ርእስኻ ትማጎትዶ ትህሉ፧መቸም ጸሎቱ ኣብቂዑ ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ካብ ጎይታ ብዝተማሃርክዎ ስርዓት፡(ሉቃ 24፣30) እቲ ካህን ካብቲ እንጌራ ቆሪሱ ምስሃበ ባዶነትካ ዘይክበርሃልካ ይኽእል ኢዩ።ማእዲ ምስተጀመረ ግን ቂምታኻ ረሲዕካ ደስ ኢሉካ ኢኻ ትምገቦ።እቲ ሶርያዊ ዝበሎ እንተትሰምዕ ግን ገዛእ ርእስኻ ምተዓዘብካያ!

እቲ ሶርያዊ ቅዱስ ኤፍሬም ቅድሚ ምብልዑ ንዝግበር ጸሎት፡ሓደ ካብቶም ኣዝዩ ዓቢ ቦታ ዝህብዎ ኣቦታት ነበረ።ርግጽ ኢዩ ኣብ መጽሓፈ መነኮሳት መግቢ ቀሪቡ ክባርኽ ኢሉ ጸሎት ምስ ጀመረ፡ድሕሪኡ ነቲ መግቢ ረሲዑ፡ብተመስጦ ጸሎት እንክገብር ዝሓደረ፡ንጽባሒቱ ዝቐጸለ መዓልቲ ጾም ዝኣትዎ ኣቦ ኣሎዉ።ብርግጽ ናይ እግዚኣብሄር ስም መግቢ ዝኾኖም ኣቦታት ካብ ሰማያዊ መኣዲ ብድድ ኢሎም ተንሲኦም፡ናብ ምድራዊ መግቢ ምምጻእ፡ቁልቁለት ይኾኖም።ንሕና ስጋውያን ድማ፡ንሰማያዊ ናይ ጸሎት ጉዕዞ ቀሪብና እንካን ስለምድራዊ መግቢ ምሕሳብ ኣይነቃርጽን።
ብርግጽ ንምብላዕ ፈጣሪ ምምስጋን ስለምንታይ ኣድለየ፧

ቅዱስ ኤፍሬም ስለ መግቢ ብዝደረሶ ኣብ
(Table Blessing of Mar Ephrem) ዝብል መጽሓፉ፡" ኣዳም ኣብ ገነት እንዳሃለወ ነታ ዕጸ በለስ ቅድሚ ምብልዑ ኣየመስገነን።ምብልዑውን ዓመጽ ኮይኑ ተቖጽረሉ፡( ንኣዳም ንምድሓን ንካሕሳ ዝመጸ) ጎይታ ግን ማእዲ ኣመስጊኑ ፡ባሪኹ ይቖርስ ነበረ።"ብማለት ይዛረብ።እስከ ኣዳምን ሄዋንን ነታ ዕጸ በለስ ዝበልዑላ ዕለት ንዘክራ!

"ብለይቱ ነታ ዕጸ ንምብላዕ ዝጠዓመት ከምዝኾነ፡ንዓይኒውን ኣዝዩ ከምዝስሕብ፡ጥበብ ንምሃብ ጽቡቕ ከምዝኾነት ረኣየት።ካብቲ ፍሬኡ ወሰደትሞ በለዐት።ድማ ፦ንሰብኣያ ሂባ፡ንሱውን ምስኣ በለዐ።" (ዘፍ3፣6)
"ወሰደትሞ በለዐት፡ሃበቶሞ በልዐ።" ንዝብላ ቃላት ኣዳምን ሄዋንን ከየመስገኑ ምብልዖም ቁልጭ ኣቢሉ የርእየና።ምላልባሽውን ቅድሚ ምብልዖም ብጸሎት ኣመስጊኖም እንተዝነብሩ፡ናይ ፈጣሪኦም ትእዛዝን ዝገበረሎም ኩሉን ሓሲቦም ካብ ሓጥያት ክኽልከሉ ምኸኣሉ ነይሮም።

ቅዱስ ኤፍሬም ሰብ ብብልዑ ካብዘየመስገነ፡ካብ እንሥሳ ኣይፍለይን ኢዩ ይብል።እንሥሳታት ስለቲ ዝበልዕዎ ነገር ኣመስጊኖም ኣይፈልጡን ኢዮም።( ሓደ ኣቦ፡ ደርሆ ማይ ክትሰቲ እንከላ ቅንዕ እትብሎ፡ንምስጋናዶ ይኾውን፧) ክብሉ ሰሚዐ ነይረ።ማይ ምውራዱ ከምዘለዎ ኮይኑ'ዩ።) ስለዚ ቅዱስ ኤፍሬም " በሊዖም ከምዘየመስግኑ ከም እንሥሳታት ኣይንኹን።" ይብል። መሊሱ ድማ" ኣብ ቅድሚ መኣዲ ኮፍ ኢልና እንዳበላዕና ነመስግን፡እንዳመስገንና ንብላዕ።ነቲ ዝወረረና ዓጸቦ ካብ ተወገደልና፡ጽምእና ካብ ተቓረጸልና፡ሕጂ ብዘይምህዋኽ ነመስገን።" ይብለና።ምኽንያት ምምስጋንና ነፍሲ ወከፍ ኣብውሽጢ መግቢ ናይ ፈጣሪ ስራሕ ስለዘሎ'ዩ።እዚ ድንቂ ኣቦ፡ብውሁብ ናይ ዝማሬ ግጥሚታቱ ዘርዚሩ ይነግረና።

እንጀራ ወይውን ቕጫ፡ክትበልዕ እንከለኻ፡ኣዚ እንጄራ ካብ ሓመድ ይርከብ ምኻኑ ዘኪርካ ትፈልጥዶ፧እንታይ ደኣሞ ናይ ፈጣሪ ስራሕ ምድናቕ ኣይከኣለካን ድዩ፧ጡዑም ጽማቕ ክትሰቲ እንከለኻ፡እዚ ጽማቕ ካብ ዕንጨይቲ ዝተረኽበ ምኻኑ ኣስተውዒልካ ትፈልጥዶ፧ነቲ መግቢ ጣዕሚ ዝሃቦ፡ካብ ኣሻኽ ዕንጨት ዝተጸምቀ ዘይቲ ከምዝኾነ ስለምንታይ ትርስዕ ኣሎኻ፧ካብዚ ንላዕሊ እንታይ ዓይነይ ኣደናቒ ቸርነት ኣሎ፧ጨው እንተዘይነብር እዚ መግቢ ማይ ማይ ዘብል ኣይምነበረን።ጨውሲ ከም እምኒ ኣብዝረግጽዎ ስፍራ ዘቐመጠልካ ፈጣሪ ከየመስገንካ ስለምንታይ ትበልዕ ኣሎኻ፧" ይብል እቲ ቅዱስ።

ቅዱስ ኤፍሬም ሓቁ'ዩ።መግቢ ዘብሰሉልና ክኢላታት ሰብ ሞያውያን ነመስግኖም ኢና፡መግቢ ዝፈጠረ ደኣ ከመይ ዘንጊዕናዮ፧ናይቲ መግቢ ጣዕሚ ተገሪምናሉስ፡ናይቲ መግቢ ፈጣሪ ንምምስጋን ንእሽቶ ደቓይቕ እንካን ምዕጋስ ተሳኢኑና፧ጡዑም መግቢ ዘብሰሉልና ሰባት" ኢድ ይባርኽ!" ኢልና ነመስግን ኢና።ናይቶም ኣብሰልቲ ኢድን ነቲ ዝበስለ መግብን ዝፈጠረ ጎይታ ግን ኣይንዝክሮን እካ፧ቤት መግቢ ኣቲና፡ንውሑድ ሰዓታት ተመላሊሶም፡ቦታ ሂቦም፡ጽቡቕ መግብን መስተን ብኣኽብሮት ንዘቕረቡልና ኣአንገድቲ ምስጋና ነቕርበሎም ኢና።ዝነኦም ድማ ንኻልእ ሰብ ንነግረሎም ።ከም ሓደ ክቡር ኣአንጋዲ ኣብዚ ምድሪ ዝርከብ ኩሉ ኣሰናዲኡ ብምፍጻም፡ዝፈጠረን ካብ ዝተፈጠርናሉ ዘመን ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ኣብቂሉ ብጸሓይ ኣብሲሉ ዝምግበና ፈጣሪ ግን ንምምስጋን ግዜ ክሓጽረና ክንደይ የሐዝን!!!

ቅዱስ ኤፍሬም ኣብ ቅድሚ መኣዲ ስለ ሓዊውን ኣመስግኑ ይብል።
" እሳት ኣይብላዕን'ዩ፡ብኡኡ ንዝበስሉ መግብታት ኩሉ ግን ጣዕሚ ይህቦም።ብናይ መግቢ ጣዕሚ፡ናይ እሳትነት ዋዒ እንዳሃለወ ነበልባሉ ግን የለን።ሙቐቱ ኣብ የእዳውና 'ዩ፡ምቅጻሉ ድማ ካባና ርሓቐ።" ስለዚ ነቲ ሓዊ ድንቂ ገይሩ ዝፈጠረ ኣምላኽ እንዳመስገንኩም ብልዑ ይብል።

"ጎይታና እንጀራን ዓሳን ኣበርኪቱ ብዘብለዓሉ ግዜ ከምዝተመገቡ ሰባት ንኹን።ንሳቶም ክበልዑ እንከለዉ፡ብስጋውነቶም ጥራይ ዘይኮነስ፡ብነፍሳውነቶም ውን እምበር።ኣፎም ነቲ ዓሳን እንጌራን ኣየዕረፈን፡ሕልነኦም ድማ ፈጣሪ ካብ ምድናቕ ኣየዕረፈን።ይኹን እምበር ካብ መግቦም ንላዕሊ መግቢ ንዝሃቦም ጎይታ፡ምፍላጦም በሊጽሎም ምስጋንኦም ተተኪኡ ነበረ።(ዮው6፣13)

ቅዱስ ኤፍሬም ኣይወደአን፡" እንዳበላዕኩም ስለእግዝኣብሄር ተዘራረቡ፡መኣድኹም ናይ መንግስተ ሰማያት መኣዲ ይኹን፡" ይብል።ኣብ መኣዲ ስለምንታይ ንዛረብ፧ ካብ በልና ድማ ስለማኣዲ ተዛረቡ ይብለና።"
ኣብርሃም ናብ ቤት እግዚኣብሄር ተረኺቦም፡ስለቲ ዝቕረብሉ መኣዲ ተዛራረቡ፡(ዘፍ19፣1)።ነቲ ድኻ ኣልኣዛር ኣብ ኣፍደገ ገዝኡ ኣደቂሱ ይብልዕ ንዝነበረ ስለ ናይቲ ብዓለጸጋ መኣዲ ተዘራረቡ።(ሉቃ16፣21) ክትበልዑ እንከለኹም፡" ጠምየዶ ኣብላዕኩምኒ፡እንክትሰትዩ ጸሜአዶ ኣስቲኹምኒ፡ንዝብል ቃል ዘክር።
ብመኣድኹም ወይኒ ቀሪቡ እንተሎውን ብዙሕ ነገራት የዋጃበሩኻ።ወይኒ ከይሰተዩ ዝነበሩ ዝነበሩ ደቂ ኢናዳብ ተዘራረቡ።(ኤር35) ወይኒ ክትቀድሑ እንከለኹም ጳውሎስ ንጢመጢዎስ" ንኸብድኻ ቁሩብ ወይኒ ስተ" ከምዝበሎ ዘክሩ።(1ጢመ5፥23)በዚ ወይኒ መስተ ምብዛሕ ሎጥን ኖህን ናብ ምንታይ ጥፍኣት ከምዝወሰዶም እንዳዘከርኩም ካብ ምስካር ተቖጠቡ።(ዘፍ9፣21። 19፣33)

ብግዜ መኣዲ ሰብ ካብ ምትሕምማይ ቃሉ ምዝርራብ ይሓይሽ በሃሊ ኢዩ።መሃሪ ኤፍሬም ከምዚ ይብል።
"ከም ሓደሓደ ሰብ ክበልዕን ክሰትን ተቐሚጡ ዝረኣኻዮ ስጋኡ ኣየርውዮን ኢዩ።ሳኦል ስጋ ንምምጋብ ተቐሚጡ፡ናይ ዳዊት ስጋ ይምገብ ነበረ።ብገሃዲ ወይኒ እንዳሰተየ ብስውር ግን ናይ ዳዊት ደም ይሰቲ ነበረ።(1ሳሚ 20፣24)

ናይ ዮሴፍ የሕዋት ክበልዑ እንከለዉ፡ተቐሚጦም ሓዎም ንምቕታል ናብ ጉድጋድ ደርብዮም ይማኸሩ ነበሩ።መግቦም እንዳዋገዑ እንክበልዑ ደስ በሎም።ዮሴፍ" ክትሰግዱለይ ርእየኩም" ኢሉ ሕልሙ ካብ ዝነገሮም ግዜ ጀሚሮም፡ከምዛ መዓልቲ እዚኣ ገይሮም ዝበልዑላ መዓልቲ ግን የላን።
የዋህ ዮሴፍ ኣብግብጺ ገዛኢ ኮይኑ ምስ ተሾመ ግን እንዳበልዑ ንዝሸጥዎ የሕዋቱ፡ኣብ ቤተ መንግስቱ ንኽበልዑ ናብ መኣዱ ጸውዖም።" ምስ የሕዋቱ ኮይኑ ካብ ዝበልዓላ መዓልቲ፡ዮሴፍ ናይ ግብጺ እንጄራ ኣይምቅሮን ነበረ።ምስ የሕዋቱ ኮይኑ ንዝሰተዮ መዓልቲ ንላዕሊ፡ናይ ፈርዖን ወይኒ ኣየደሰቶን ነበረ።"

"ንዝፈትዎ ሰብ እንዳረኣዮ ዝሰትዮ ሰብ ምስቲ ወይኒ ገይሩ ይሰትዮ፡ጸላኢኡ እንዳረኣየ ዝሰትዮ ግን ምስቲ መስተኡ ቁጡዓ የመንጩ።ንሕና ግን ወይንናን እንጀራናን ከምንፈቱ፡ንሓድሕድና ንተሓቓቖፍ። እቲ ወይኒ ብናይ ጎሪረና ደም ምስዝወርድ፡ፍቕሪ ብሕልናና ይፈሰሰ።መግቢ ናብ ከብድና ክወርድ እንከሎ ጸሎት ብሕልናና ይምበር።"

በሊዕና ክንውድእ እንከለና" ስብሀት " ኢልና ነመስግን።እስራኤል በሊዖም ብዘይምምስጋኖም ከምዝተቐሰፉ ዘክሩ።(ዘህ21፣6)
ፈጣሪ ስጋ ሂብዎም ከየመስገኑ ክበልዑ ከለዉ፡ከይተንስኡ ናይ እግዚኣብሄር ቁጥዓ ነደደ።እቲ መግቢ ብኣፍንጭኦም ወጸ።(ዘህ11፥20)
ቅዱስ ኤፍሬም ብኣፍንጭኦም ወጸ ንዝብል፡ከብርሃልና እንከሎ"ካብ ኣፍ ንላዕሊ ንዘሎ ኣፍንጫ፡ኣፍ ብዘይምምስጋኑ ኮይኑ፡ካብ ሕገ ተፈጥሮ ንላዕሊ እቲ መግቢ ብኣፍንጫ ወጸ።" ይብል።

መቸም በሊዑ ስለምምስጋን ንዘብርሃልና፡ነዚ ጽሑፍ እንከንበብ"ሕጂ ክንደይ ምልዮን ህዝቢ እንዳጠመየ፡በሊዑ ናይ ምምስጋን ዝጽሓፍ ግዜ ኢዩ፧እዚ ህዝቢ እንታይ በሊዑ'ዩ ከመስግን፧ ዝብል ሰብ ኣይሰኣንን!!!( እቲ ጹሑፍውን ዘይክጭርሶ ይኽእል ኢዩ!!)
ቅዱስ ኤፍሬም ግን ንምምስጋን ምጽጋብ ጥራይ ምኽንያት ኣይኮነን በሃሊ ኢዩ።ናይ ሉቃስ ወንጌል ታሪኽ ብምጥቃስ " እቲ በዓል ጸጋ ኔዌ ጸጊቡ ኣየመስገነን፡እቲ ድኻ ኣልኣዛር ግን ጠምዩ የመስግን ነበረ፡ይብል።
ሓቂ'ዩ! ከይበልዐ ዘመስገነ ሰብ ብሰማይ መኣዲ ኣብ ናይ ኣብርሃም ሕቕፊ ይእንገድ።ካብ መንግስተ ሰማያት መኣዲ ይጋበዝ።ምስ ኣብርሃም፡ምስ ይሰሃቅ፡ምስ ያዕቆብ ይቕመጥ።ናይ ሂዎት እንጀራኡ ከቶ ካብ ዘየጽምኦ ምስ ናይ ሂዎት ማዩ ይረዊ።ንዘልኣለም ኣይጠምን፡ኣይጸምእን።

ስብሀት ለእግዚኣብሄር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።
ብድያቆን ሄኖክ፡
ትርጉም ተኽለማርያም ጉዕላይ

onsdag 31. mai 2017

ዓቢ ጥሩምባ

ብስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን፡

ኣብዚ ዓለም ብዓቢ ጥሩምባ እንዳተኣወጀ ዝመሓላለፍ መልእኽቲ ኣሎ።"መከላኸሊ ተጠቐም "ዝብል ኢዩ። "ኣብ ሓዳር ዘለኹም፡ውላድ ተዘይ ደሊኹም መከላኸሊ ተጠቐሙ፡ኣብ ዕንደራ ዓለም ዘለኹም፡ሕማም H,I,V ኤይድስ ከይመሓላለፈኩም ተፈሪህኩም መከላኸሊ ተጠቐሙ፡ስምዒትኩም ምቁፃጻር ዝሰኣንንኩም ማለት ክሳብ ትምርዓዉ ንጽል ኮይንኩም ንኽትነብሩ ዝሽግረኩም፡ንመጻንሒ ዓርኪ ሓዙሞ መከላኸሊ ክኾነኩም ኢዩ፡" ዝብሉ ናይ ጥሩምባ ኣዋጃት ተኣዊጁ፡ድሮውን ኮርሳት ተዋሂቡስ ዳርጋ ኣብ ምሉእ ዓለም ተባጺሑ ኢዩ።
ሕጂ ድማ ሕሉፍ ዝበለ ሓድሽ ኣዋጅ ይጭኖ ኣሎ፡ሓደ ሰብ ርክብ ተዘይገሩ ኣብ ጥዕንኡ ጸገም ከምዘምጽእ ብሳይንስ ስለዝተረጋገጸ፡ክሳብ ዝኾነ ዝኾውን ዋላ መከላኸሊ እንዳተጠቕመ፡ዓርኪ ክሕዝ፡ወይ ርክብ ክገብር ኣሎዎ፡ዝብል ቦኽሪ እዝነይ ይሰምዕ ኣሎኹ። ወይ ጉድ ሎምስ እንዳረኣና ክንዕውር ኢና።እቶም ዘመኖም ምሉእ ብምናነ ዘሕለፍዎ ቅዱሳንሲ እዚ ስብከትዚ ተዝስበኸሎም፡እንታይኮን ምበሉ።ዮውሃንስ ወንጌላዊ ድንግል ነበረ፡ቅዱስ ጳውሎስ ድንግል ነበረ፡ብስጋ ተገሊጾም ምሳና ተዝሰምዕዎ እንታይ ምበሉ፡ብርግጽ ኣብ ሰፈሮም ኮይኖም ይሰምዑና ኣሎዉ።
ብዝኾነ ኮይኑ እስከ ክሓተኩም ስድራ እግዚኣብሄር እዚኹሉ ዝግበር ዘሎ፡ንከይንሓምም ድዩስ፡ዋላ ንከይፍረድ፧ ሰብሲ መከላኸሊ ይጥቀም ኣሎ፡እንዳዘመወ መታን፡ክነብር መከላኸሊ ይጥቀም ኣሎ ሓቀይዶ፧ ግን መታን ከይፍረድዶ ወይስ መታን ከይሓምም፧ሓደ ሰብ ስግኡ ኣዝዩ ጨናዊ ኮይኑ ነብሱ እንተነጺሃ ግን ንጹሓን፡መልኣኽቲ ይሓቕፍዎ፡ከምቲ ብሕማም ዝሳቐ ዝነበረ ኣልኣዛር(ሉቃ16),።ሓደ ብደጋዊ መልክዕ ዘጌጸ ሰብ ግን ነብሱ ተዘይነጺሓ፡መግበ ነብሲ ዘይብሉ ብምኻኑ፡እቶም ረሳሓት ዝኾኑ ናይ ጸልማት ኣጋንንቲ ይቕበልዎ።እሞ እንታይና ይመገብ ነብስናዶ ወይስ ስጋና፧ መግበ ስጋ እዚ ሕጂ ዝረኣየና ዘሎ፡ኣበየ ሆቴላት፡ኣበየ ባራት፡ብኣሽሓት ሚልዮታት ወጻኢታት ተገይርሉ ዝሽየጥ ዘሎ ኢዪ።ስጋ ተዘይ ተኣዲቡ፡ሒዝካ ናብ ገደሉ።

ክርስትና ኩንትራት ድዩ፡ዘልኣለማውነት?
ክርስትናስ እንታይ ኢዩ?
ገለ ሰባት፡ሓደጋ ከጋጥሞም እንከሎ፡ክሓሙ፡ክሽገሩ፡ክመሮም፡ክጭነቖም እንከሎ ናብ እግዚኣብሄር ንምጻእ ሸበድበድ ይብሉ ኢዮም።
ገለ ሰባትውን፡ተኣምር ክርእዩ ወይ ብወረ ክሰምዑ እንከለዉ፡ንኣብነት ሰማያት ደም ክመስል፡ወርሕን ጸሓይን ዘይሕብረን ክለብሳ፡ባሕሪ ዘይመልክዑ ክሕዝ፡ገበል ናብ ከተማ ክኣቱሞ ሰባት ክውሕጥ፡ነገስታትን ፖሎቲከኛታት ናይዛ ምድሪ ንዓለም ክሸብርዋ እንከለዉ፡ተኣምር ኮይኑ ስለዝረኣዮም ሸበድበድ ይብሉ ኢዮም።
ወገነይ፣ኣምላኽ ናይ ክርስትያን ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ ኢዩ።እንዳፋራረሐ ዝመልኽ ኣምላኽ ኣይኮነን፣ክርስትና እንዳባህረርካ እትነብሮ ናይ ስግኣት ሂዎት ኣይኮነን ብፍቕሪ እግዚኣብሄር ተማሪኽካ ስለመንግስተሰማያት ክትብል ንኹሉ ኮንቱ ቆጺርካ ብትብዓት እትነብሮ እምበር።ክርስትና ተኣምር ምስተረኣየ ሸበድበድ እትብሎ ተዋስኦ ኣይኮነን፣እንታይ ድኣ ብሂዎት ምምባር ኢዩ።ቅዱሳን ምእንቲ እግዚኣብሄር ክብሉ ኩሉ ሂዎቶም መነኑ፣ኩሉ ጸበባ ስለመንግስተሰማያት ክብሉ ንዓቕዎ፣ሃብቲ፣ሃገር፣ዝና፣መልክዕ፣ድኽነት፣ዓሌት፣ክብሪ፣ፍልጠት፡ኩሎም ኣብዛ ዓለም ዝርከቡ ስለእግዚኣብሄር ክብሉ ንዒቖሞ።
<<ኣማን መነኑ ሰማዕት ጣዕማ ለዝዐለም፣ወከዓዉ ደሞሙ በእንተ እግዚኣብሄር፣ወተዐገሱ ሞተ መሪረ በእንተ መንግስተሰማያት።ትርጉሙ ሰማዕት ንጣዕሚ ናይዛ ዓለም ንዓቕዎ፣ምእንቲ እግዚኣብሄር ክብሉ መሪር ሞት ተዓገሱ፣ምእንቲ መንግስተ ሰማያት ክብሉ ድማ ደሞም ኣፍሰሱ።>>ይብል እቲ ቅዱስ ኣቦና ኤፍሬም ሶርያዊ ኣብ ውዳሴ ማርያም ናይ ሓሙስ።ስለዚ ሕዝብ ክርስትያን ክርስትና ከም ቢምቦሪ ናይ መጥፋእቲ ሓዊ፣ሓደጋ ከጋጥም እንከሎ ጥራይ ሸበድበድ ዝበሃሎ፣ኣብ ግዜ ሰላም ከኣ ደቂስካ ዝሕደሮ ኣይኮነን።ክርስትና ኩሉ ግዜ ከም ዓቄታይ ወትሩ ነቒሕካ ምስ እግዚኣብሄር እትነብሮ ሂዎት ኢዩ።ዓለም ናትና ኣይኮነትን፣ከምዚ ኣብዚ ቪድዮ ትርእይዋ ዘለኹም ካብዚ ዝገድድ ሞሎኮታዊ እሳት ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ተዳልይላ ኣሎ።እግዚኣብሄር ሓይሊ ይሃበና፣ኩሉና ናብ እግዚኣብሄር ንቕረብ፣እግዚኣብሄር ካብ ሓጥያትና ንላዕሊ ዕጽፊ ምሕረቱ ይዓዝዝ ኢዩ፣ኣብቲ ተሪር ልብና እካ ክሳብ ንንስሓ ንቐርብ የእዳዉ ተዘርጊሐን ኣሎዋ።

ለቱ ስብሀት!!!
መግበ ነብሲ ግን ቃል እግዚኣብሄር ኢዩ፡" ኦ እግዚኣብሄር ነብሰይ ንዓኻ ትጸምኣካ ኣላ በለ ቅዱስ ዳዊት(መዝ42፥1)። ጽባሕ ንግሆ ፍርዲ ኣሎ። ብርግጽ ፍርዲ ኣሎ።
ድንግል ማርያም ሆይ ካብዚ ዓለም ትሰብከና ዘላ ናይ ነውጺ ስብከት ባዕልኺ ስብከት ኮይንኪ ናይ ንጽህናኺ በረኸት ኣካፍልና፡ንጽህናኺ ልዕሊ ኩሎም ንጹሃን፡ኢዪሞ፡ካብ ፈጣሪኺ ግብሪ ጽንቂ ንኽንገብር ምሕረት ለምንልና ኣሜን
ወስበሀት ለእግዚኣብሄር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ኩቡር ኣሜን

mandag 29. mai 2017

"ስም ኣበሓጎታቶም ዘይፈልጡ ህጻናት ይፈርዩ ኣሎዉ!"

ብስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን
"ስም ኣበሓጎታቶም ዘይፈልጡ ህጻናት ይፈርዩ ኣሎዉ!"
ወይ ለብዘበን።እንታይ ዝበለ ጨው ዘይብሉ ዘመን'ዩ ደቀይ።ስም ኣቦሓግኻ ዘይትፈልጠሉ ግዜ።
ሓውኹም ዳርጋ ኣም ምርሳዕ ንፉዕ ኮይነ ደኣ እምበር፡ኣደይሲ ኮፍ ኣቢላ ወሎዶ ናይ ኣቦሓጎታተይ ክሳብ 7 ወለዶ ትምህረና ነይራ ኢያ።ኣብቲ ትምህረና ዝነበረት ኣተኩሮ ድማ፡ንሳ ኣርኣያ ንምኻን" ኣነ ናይ እንዳ ኣቦይን እንዳ ኣደይን ክሳብ ክንድዚ ወሎዶ ይበጽሕ ኢየ፣" እንዳበለት ተተባባዓናሞ፡ኩሉና ደቃ ከኣ ትብዓት ስለዝስመዓና ዝነበረ፡ዳርጋ መብዛሕትና ሸምዲድናዮ ኢና።መቸም ኣብ ጻልጣ ዝተጻሕፈን፡ንህጻን ዝመሃረን ሓደ ኢዮም፡እቲ ኣይድምሥስ እቲ ድማ ረሲዑ ኣየህሥስ ድዩ ዝበሃል።ኣነ ዝገርመኒ ግን ወሎዶታት ናይ ኣቦይ ስለዝተማህርኩዎ ዘይኮንኩስ፡ኣብ ባህልን፡ሕብረተሰብን፡ብፍላይ ድማ እታ ንመቓብር ሓሊፈ ሒዛትኒ ክሳብ መንግስተ ሰማያት እትኸይድ ሃይማኖተይ፡ንኽፈልጥ ዘይርአ ስውር ኢድ ኮይኑ ሓይሊ ዝኾኑኒ ሓደ እዚ ኢዪ።ወሎዶኻ!
ሎሚ ስም ኣቦሓጎታቶም፡ዘይፈልጡ ህጻናታ፡እናፈረዩ ይመጹ ኣሎዉ።ወለዲ ኣብ ክንዲ ስም ኣቦሓጎታቶም፡ስም ሃይማኖቶም፡ቅርሳዊ ባህሎም ንደቆም ከውርሱ ዝቃለሱ፡ዘመናውያን፡ሰብ ዝና " ብዓል እገለ በዓል እገለ" ኢሎም ክምህሩ ግዲ ይውዕሉ ሃልዮምሲ፡ህጻናትና በዚ ለምሲዚ ኮለገና ተታሒዞም።ወይ ጉድ፡ ብዓይኒ ዘይርአ ሪኬትስ ኮይኑ ነገሩ።እሞ ስም ኣቦሓጎኻ ከይፈለጥካ ደኣ ሃይማኖትካ ብኸመይ ክተጽንዕ።ንሳቶም ዝሓለፉዋ ሃይማኖት ከነፍልጥ እንተድኣ ድለታት ኣልዩናኮ፡መጀመርያ ብወለድኻ ኢዪ ዝጅመር።ክትውለዱ እንከለኹም፡ብዛዓባ ኣብዛ ዓለም ንዘሎ ኩሉ ነገር ቀዳማይ ተሓታቲ ወለዱኹም ብፍላይ ድማ ኣዴኹም ኢያ ነይራ።ፖፕ ሺኖዳ፡"ስብከተ ወንጌል ኣበይ ትጅምር፧" ኢሎም ይሓቱ፡መሊሱ "ኣብ ክሽነ"ኢሎም ከኣ ይምልሱ።"ብመንከ ይጅመር፧" ድማ ይብሉሞ፡ መንፈስ ቅዱስ ድማ" ብሰበይቲ"ኢሉ መለሰሎም።

መቸም ሓውኹም ስለዘይወለድኩ ግዲ ኮይነስ ንህጻናት ናይ ምጽዋት ድሌታትካ እንተሃለወኒ፡ግን ኣይክእሎሉን'የ።ንዓይ ክርእዩ ከለዉ በርጊጎም ይኸዱ።ሎምዓልቲ ንሓንቲ ህጻን ቃለ መጠየቕ ኣካይደ ጋዜጤኛ ይነልኩም።ኣብ መወዳእትኡ ሰምቢደ።ስሙ ምስሓተትኩዎ፡ቀልጢፉ መለሰለይ፡ስም ኣብኡውን ኣይደንገየን፡ኣበሓጎ ምስ ሓተትክዎ ግን ጥርቅም፡ስም ኣደ ውን ሽግር ኣይኮነን ዓባይካ ምስተባህለ ግን ወይከ!!!

ኣንቱም ወገናተይ፡ሃይማኖት ደኣሞ፡ካብ ወለዲዶ ኣይኮነትን ትጅምር፡ህጻናት ስም ወለዶም ምስ ፈለጡ፡ኣብ ሃይማኖቶም ንዘለዎም ተገዳስነት፡ኣብ ባህሎም ንዘለዎም ኣረኣእያ፡ኣቦታቶም ብኸመይ ክሳብ ምናነ በጺሖም ጸጋ እግዚኣብሄር ከምዝተቐበሉ፡ንኸተዘንትዎሎም፡ኣደ ክትገብሮ ዝግበኣ ብዙሕ ኣሎ።ቤተክርስትያን ብዛዓባ መርዓዊኣን ብዛዕባ ገድሊ ቅዱሳንን እንክትእውጅ፡ህጻናትና ምስ ዓኾኹ፡ነቲ ገድሊ ቅዱሳን ከም ጽውጹዋይ፡ነቲ ሃይማኖት ድማ ከም ኣረጊት(old thing) ገይሮም እንዳሓሰብዎ ዝመጹ ዘሎዉኮ፡ቀንዲ ሸጊርዎም ዘሎ፡ብህጻንነቶም እንከለዉ ካብ ወለዶም ክመሃርዎ ዝግበኦም ቀሊል ዝመስል ግን ከኣ ኣብ ሂዎት ናይቲ ህጻን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ዝገብር ብዙሕ ስለዘሎ'ዩ።ካብቲብዙሕ ምድራውን ሰማያውን መንነት ምፍላጥ'ዩ።ወዮ ክርስቶስ ተወሊዱ ንዓለም ሰብ ኮይኒ ኣድሒኑ፡ስለዝፈጸሞ እምበር፡ሕጂ ኣብ ብሉይ ኪዳን እንተንህሉሞ፡ክርስቶስ ኣብዚ ወለዶ እንተዝውለድሲ፡ኣየናይ ወላዲኮን ንመንፈስ ቅዱስ ተኣዚዙ ናይ ወለዱ ወሎዶታት ጸብጺቢ ዘረክብ ክህሉ፧እግዚኣብሄር ግን ነዞም ናይ ሎሚ ዘለና ደቁ ኣብ ወለዶኦም ዘይግደሱ ምኻኖም፡ፈለጠናሞ፡ዘመነ ድሕነት ኮለገና ፈጸመ።(ማቴ1፣1--) ወለዶ ክርስቶስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ጀሚሩ ክሳብ ኣዳም ዘሎ ይገልጽ።ንሕና ግን ህጻናትና ሰለስተ ኣቦሓጎ ኣይመሃርና፡ኣይተመሃርና።ነዚ ከይሓለፍካ ደኣ ናብቲ ነዊ ዓቐበት ናይዛ ዓለም፡ፈተነ ብኸመይ ይስገር።ዓለም ኣምላኽ የለን፡ናብዝብል ድምዳመ በጺሓ ኣላ።ኣቦታት ድማ "ኣምላክነስ ሁሉው በህላዌሁ፡ወንህነ ንሄሉ ብህላዌሁ" ትርጉሚ ኣምላኽናሲ ብህልዉንኡ ህሉው ኢዩ፡ንሕና ድማ ብህልዉኑኡ ኣሎና።እንዳበሉ ዝተኣመንዎሲ፡ንኣቦታትና ተዘይፈሊጥና ደኣ መን'ዩ ክምህረና።
እግዚኣብሄር ነዚ ንሳይንስ ክፍለጥ ዝጽዕር ዘሎ ልቢ ብጥበቡ ቀይሩ፡ነቶም ነዛ ሰማያዊ መንነት ብዝግባእ ሒዞም ዘጽንሕዋ ኣበው ፈሊጥና ክንመስሎም ሓይሊ ክህበና ሰናይ ፍቓዱ ይኹን።እወ ንዖኦም፡ከይፈለጥካ መንገዶም ክትክተል ኣዝዩ በዳሂ ኢዪ።
ስብሀት ለስሉስ ቅዱስ ኣሜን

søndag 28. mai 2017

ኣእምሮ ብተፈጥሮ ለምለም ኢዩ፡ስለዚ እግዚኣብሄር ብጠንካራ ዓጽሚ ገይሩ ኣዳለዎ



ብኣብ፡ብወልድ፡ብመንፈስ ቅዱስ ስም ሓደ ኣምላኽ ኣሜን፣፣
ኣእምሮ ብተፈጥሮ ለምለም ኢዩ፡ስለዚ እግዚኣብሄር ብጠንካራ ዓጽሚ ገይሩ ኣዳለዎ፡ምኽንያቱ ሰናይ ይኹን ክፉእ ነገር ካብኡ ስለዝምንጩ ኢዩ።ሰብ ተጸሊሉ፡ዓቢዱ ዝብሃል ኣእምሮ እንተተንኪፉ ማለት ኢዩ ሓቀይ፡እወ፡ሓንቲ መኪና ሞተራ ኣዝዩ ሕማቕ ምስዝኾውን፡ጋቤኝኣ ግን ብወርቂ ዝተሰርሐ ምስትኾውን፡እታ ማኪና ንፎርማ እምበር ንመጉዓዝያ ክትኾውን ኣይትኽእልን።
ክገርመኩም ሓደ ሓደ ግዜ መልክዕና ኣዝዩ ጸቢቑ ጥርዚ ዋላ እንተበጸሐ፡ኣእምሮና እንተተባላሽዩ ግን ሓምሓም ኮይንና ኢንና ንተርፍ።ሓምሓም ተሰባሪ ኢዩ፡ሰብኣውነትና ድማ ተሰባሪ ይኾውን።

ሰብ ተሰሪሑ ዝተወደአ ኣይኮነ፡እናሻዕ ጽባቐኡ እንዳተኾለዐ ዝህነጽ ህንጻ ኢዩ።እግዚኣብሄር ምስ ፈጠረና ሕጂ ስርሐይ ወዲኤ ኢየ፡ባዕልኹም ትፈልጡ ኢሉ ኣይሰንደወልናን።ንሕና ኣይኮንና ንፈልጥ፡ዝፈልጠልና ንሱ'ዩ።ከይትበልዕ ተባሂሉውን ብዘይፍቓድ ኣምላኽ ዕጸ ዋላ እንተበለዐ፡ኪዱ ጥፉኡ ኢሉ ንዘልኣለም ኣይኮነነናን፡ግዜ ፈልዩ፡ኩሉ ግዜ ምሰ ሰብ እንዳኾነ፡ንኣእምሮ ወዲሰብ እንዳመገበ፡ኣብ መወዳእታ ዘመናት፡ሰብ ኮይኑ ኣድሓነና።ሹዑውን ሕጂ ወዲኤ ኣሎኹ ኣይበለን፡ኣማናዊ መጽንዒ መንፈስ ቅዱስ እንዳሰደደ፡ሰብኣውነትና ንኽህነጽ ዝገብር ዘሎ እግዚኣብሄር ኢዩ።(( ወሰበሰ ይመጽእ ጴራቅሊጦስ ዘኣነ እፈኑ ለክሙ፡እም ሃበ ኣብ መንፈስ ጽድቅ፡ዘይወጽእ እምሀበ ኣብ ሰማዕትየ==መንፈስ ቅዱስ ካብ ኣቦይ ወሲደይ ክሰደልኩም ኢየ፡ንሱ ንኹሉ ከብርሃልኩም ኢዩ))((ዮው15፥26)) ይብል።ለካ ውዲ ሰብ ካብ መሰረት ጀሚሩ እንዳዓበየ ዝነብር ሕንጻ ኢዩ።ህንጻ ብሓንቲ እምኒ መሰረት ትጅምርሞ፡ግን ዋላ ተነዲቓ ትዛዘም ደኣምበር፡እንዳተኾስተረት እንዳጸረየት እንዳኾለዐት ካብ ምምባር ግን ኣይተቃርጽን።
ኣእምሮ ወድሰብ ውን ባዕሉ ዘይኮነስ ብቃል እግዚኣብሄር ክኹላዕ፡ዝግብኦ ዝተጀመረ ህንጻ ኢዩ።ወገናተይ ሰብ ስለዝኾንኩም ንነብስኹም ምሉእ ገይርኩም ከይትሓስብዋ፡፡ቃል እግዚኣብሄር ክትሰምዑን፡ከተንብቡን፡ክትመሃሩን እንከለኹም፡ሰብኣውነትኩም እንዳወሰኸ ኢዪ።ህልውናኹም ብዘየገድስ፡ዘለኹምሉ ኩነታት፡ኣብ ፖሎቲካ፡ኣብ ደርፊ፡ኣብ ዝሙት ኮታ ኣብዝተፈላለየ ዘለኹምሉ ኩነት፡እእምሮኹም ናብቲ ናይ ብሓቂ ምልኣት ወድሰብ ክትበጽሑ ተደሊኹም፡ሓጥያት ሞግስዕ እንዳመለስካ ምምባር ኣይኮነን።ንእግዚኣብሄር ግዜ ሂብና ቃሉ ንስማዕ፡ንመሃር ሽዑ ክንልወጥ ኢና።ብቃል እግዚኣብሄር ዝተራሕወ ልቢ፡ካልእ ጋሻ ንኸአቱ ኣይፈቅድን ኢዩ።ብሓጥያት ዝተሰብረ ልቢውን ብቃል እግዚኣብሄር ተዘይኮይኑ፡ብዝተደመሮ ግብረ ሓጥያት ኣይጽገንን።ቅዱሳን ኣበው፡ቅዱሳን ኣዴታት ዝሓለፍዎ ገድሊ ቅድስናን ነንብብ፡የሕዋትና መምሃራን ተንሲኦም ክምህሩና እንከለዉ፡ደገ ኬድና፡ኣቤት ድያቆን ዝመሃረና፡ኣቤት ድያቆን እገለ ዝመሃረና ዘይኮንና ክንብል ዝግባኣና፡ንልብና ባዕሉ እግዚኣብሄር ከምዝመሃረና ገይርና ነእምኖ።ንምስማዕ ቃል እግዚኣብሄር ክንዳሎ እንከለናውን፡እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ስምዑኒባ ዝብል ድምጺ የስምዕ ከምዘሎ ገይርና ሓንጎልና ነእምኖ።ሽዕኡ ጸጋኡ ተኣማኒ ስለዝኾነ ተንቲንካ ብዘይንገር ተኣምር ብጸጋ ክንምላእ ኢና።
እግዚኣብሄር ርእሰ ከተማ ዝኾነ፡ልብና ክንህቦሞ ንሱ ዙፋኑ ክገብራ፡ብድሕሪኡ ነተን ዝተረፋ ንኣሽቱ ከተማታት እንበዓል ዓይኒ፡እዝኒ፡ኣፍንጫ፡መልሓስ ንምእዛዞም ሓይሊ ክህበና ሰናይ ፍቓዱ ይኹን።
እወ ምድራዊ ንጉስ እንካን፡ሃገር ምልእቲ ክቆጻጸር ተኾይኑ፡ተቐዳዲሙ ነታ ርእሲ ከተማ'ዩ ክሕዝ ዘለዎ።ርእሲ ከተማ ከይሓዝካ ሙሉእ ብምሉእ ተቓጻጺረ ክትብል ኣይከኣልን።
ናይ ሰብነትና ርእሲ ከተማ ልብና ኢያ።ወደየ ልብኻ ሃበኒ ኢሉ ድማ ይጽውዓና።

ወስብሀት ለስሉስ ቅዱስ ይሴለሱ ብኣካላት ወይትወሃዱ በመለኮት፡ሰብሀት ለማርያም እመ ኩሉነ፡ወስብሀት ለመስቀሉ ዕጸ ሂወትነ።
ቃል ስጋ ኮነ ጸጋን፡ሓቅን፡መሊእዎውን ኣባና ሓደረ።

ኣነ ግዳ ውሉድካ ንክናኣናዊት'ኳ ዝመሓርካ...

 በስመ ሥላሴ ኣብራም'ዩ ግብረይ ኣብ ካራን ምንባረይ ሃብታም'ዩ ሰፈረይ ብዘመናዊ ስራይ ኣብኡ'የ ዝወድቕ ይሃጥር ብስጋይ ሓሽከት ሓጣውእ ይበራረዩለይ ገንዘብ ሶዶም ክኸስብ ገንዘብካ ይስእኖ እናሻዕ ይንኖ...