søndag 30. august 2026

ሰብ ተሰሪሑ ዝተወደአ ኣይኮነን!

በስመ ሥላሴ

ኣእምሮ ብተፈጥኡ ለምለም ኢዩ፡፡ እግዚአብሔር ከኣ ብጠንካራ ዓጽሚ ገይሩ ኣዳለዎ፡፡ ሰናይ ይኹን ክፉእ ነገር ኲሉ ካብኡ ካብ ኣእምሮ'ዩ ዝምንጩ። ተመልከት! ሰብ ተጸሊሉ፡ዓቢዱ ዝብሃል ኣእምሮ እንተተንኪፉ ማለት ኢዩ፡፡ እወ! ሓንቲ መኪና'ውን  ሞተራ ኣዝዩ ሕማቕ ሕማቕን ንሓደጋ ዝተቓለዐን ክንሱ፡ ጋቤኛኣ ግን በንጻሩ ብወርቂ ዝተሰርሐ ምስትኾውን፡እታ ማኪና ንፎርማ እምበር ንመጉዓዝያ ክትኾውን ኣይትኽእልን'ያ።

ክገርመኩም ሓደ ሓደ ግዜ መልክዕና ኣዝዩ ጸቢቑ ጥርዚ ዋላ እንተበጸሐ፡ኣእምሮና እንተተባላሽዩ ግን ሓምሓም ኮይንና ኢንና ንተርፍ።ሓምሓም ተሰባሪ ኢዩ፡ሰብኣውነትና ድማ ተሰባሪ ይኾውን።

ሰብ ተሰሪሑ ዝተወደአ ኣይኮነ፡እናሻዕ ጽባቐኡ እንዳተኾለዐ ዝህነጽ ህንጻ ኢዩ።እግዚአብሔር ምስ ፈጠረና፡ 'ደጊም ስርሐይ ወዲኤ ኢየ፡ ባዕልኹም ትፈልጡ!' ኢሉ ኣይሰንደወልናን።ንሕና ኣይኮንና ብዛዕባ ከመይ ክንከውን ከምዘለና ንፈልጥ፡ማንዋል ኣብ ኢዱ ዝፈልጠልና'ውን ባዕሉ ንሱ'ዩ።ከምዚ ከምቲ ከይትበልዑ ተባሂልና ክንስና፡  ዘይተገበአ ዋላ እንተበላዕና፡ኪዱ ጥፉኡ ኢሉ ንዘልኣለም ኣይኮነነናን፡፡ ግዜ ፈልዩ ኩሉ ግዜ ምሰ ሰብ እንዳኾነ፡ንኣእምሮ ወዲሰብ እንዳመገበ፡ኣብ መወዳእታ ዘመናት፡ሰብ ኮይኑ ኣድሓነና።

ድሕሪኡ'ውን ሕጂስ ወዲኤ ኣሎኹ ኣይበለን፡ኣማናዊ መጽንዒ መንፈስ ቅዱስ እናሰደደ፡ሰብኣውነትና ንኽህነጽ ዝገብር ዘሎ እግዚአብሔር ኢዩ። "ወሶበ መጽአ ጰራቅሊጦስ ዘአነ እፌኑ ለክሙ  እምኀበ  አብ፡ መንፈሰ ጽድቅ ዘይወጽእ፡ እምኀበ አብ ውእቱ ሰማዕትየ!" (መንፈስ ቅዱስ ካብ ኣቦይ ወሲደይ ክሰደልኩም ኢየ፡ ንሱ ንዂሉ ከብርሃልኩም ኢዩ) (ዮው15፥26) ይብል።

ለካ ውዲ ሰብ ካብ መሰረት ጀሚሩ እንዳዓበየ ዝነብር ሕንጻ ኢዩ።ህንጻ ብሓንቲ እምኒ መሰረት ትጅምርሞ፡ ግና ዋላ ተነዲቓ ትዛዘም ደኣምበር፡ እናተኾስተረት እናጸረየት እናተዀለዐት ስለትቕጽል  ጽባቐ ምውሳኽ ኣይተቃርጽን'ያ።

ኣእምሮ ወድሰብ'ውን ባዕሉ ብባዕሉ ተሰሪሑ ዝተወደአ ዘይኮነስ፡ ብኢስውርቲ እግዚአብሔር ተሰአኢሑ ዝተጀመረ ህንጻ ኢዩ። ወገናት ሰብ ስለዝኾንኩም ንነብስኹም ምሉእ ገይርኩም ከይትሓስብዋ፡፡ቃል እግዚአብሔር ክትሰምዑን፡ ከተንብቡን፡ክትመሃሩን እንከለኹም፡ ስብእናኹም እናወሰኸ ኢዪ። ህሉው ኲነታትኩም ብዘየገድስ፡ ዘለኹምሉ ቦታ፡ ኣተሓሳስባ፡ ኣብ ፖሎቲካ፡ ኣብ ደርፊ፡ኣብ ዝሙት ኮታ ኣብ ዝተፈላለየ ኩነት፡እእምሮኹም ናብቲ ናይ ብሓቂ ምልኣት ወድሰብ ከተብጽሕዎ ተደሊኹም፡ እቲ ዝሓይሽ ሞጒስዕ ሓጥያት እንዳመለስካ ምምባር ኣይኮነን። ንእግዚአብሔር ግዜ ሂብና፡ ቃሉ ንስማዕ፡ንመሃር ሽዑ ክንልወጥ ኢና። ብቃል እግዚአብሔር ዝተራሕወ ልቢ፡ካልእ ጋሻ ንኸአቱ ኣይፈቅድን ኢዩ።ብሓጥያት ዝተሰብረ ልቢውን ብቃል እግዚአብሔር ተዘይኮይኑ፡ብድግምጋም ግብረ ሓጥያት ኣይጽገንን'ዩ። 

ሕሉፍናን መጻኢናን መታን ኣብነት ረኺቡ ክጽገን፡ ቅዱሳን ኣበው፡ ቅዱሳን ኣዴታት ዝሓለፍዎ ገድሊ ቅድስና ነንብብ፡። ኣቦታትና ኣሕዋትናን ሰበኽቲ ወንጌል መምሃራን ተንሲኦም ክምህሩና እንከለዉ፡ ኣክንዲ 'ኣቤት እገለ ዝመሃረና!' ንብል፡፡እግዚአብሔር ምስ ልብና ጉዳይ ከምዘለዎ ፈሎጥና ባዕሉ ከምዝመሃረና ገይርና ነእምኖ። ካብ መጀመርትኡ'ውን ንምስማዕ ቃል እግዚአብሔር ክንዳሎ እንከለና፡ እግዚአብሔር ኣብ ቅድሜና ደው ኢሉ፥ 'ስምዑኒባ!' ዝብል ድምጺ የስምዕ ከምዘሎ ገይርና ንሓንጎልና ሕልናናን ነእምኖ። ሽዕኡ ጸጋኡ ተኣማኒ ስለዝኾነ ተንቲንካ ብዘይንገር ተኣምር ብጸጋ ክንምላእ ኢና።

እግዚአብሔር ነታ ርእሰ ከተማ ናይ ሰውንውትና ዝኾነት ልብና ክንህቦ ይደሊ። ንልብና ዙፋኑ ክገብራ፡ መምርሒኡ ካብኣ ናብ ምሉእ ኣካልና ከውሕዞ፡ ብድሕሪኡ ነተን ዝተረፋ ንኣሽቱ ከተማታት እንበዓል ዓይኒ፡እዝኒ፡ኣፍንጫ፡ መልሓስ ንምእዛዞም ክኽል ይደሊ። ነዚ ኲሉ ብሓይለ-ጥበቡ ኣይፈለየና።

እወ ምድራዊ ንጉስ እንኳን፡ ንምልእቲ ሃገር ንምቊጽጻር፡፡ተቐዳዲሙ ነታ ርእሲ ከተማ'ዩ ክሕዝ ዘለዎ። እዚ'ውን ብሓይልን ብግድ'ዩ። እምበርከ ርእሲ ከተማ ከይሓዝካ ሙሉእ ብምሉእ ተቓጻጺረ ክትብል ስለዘይከኣል።

ናይ ሰብነትና ርእሲ ከተማ ከኣ ልብና ኢያ። እግዚአብሔር ድማ ብመጽሓፉ "ወደየ ልብኻ ሃበኒ"  ኢሉ ወትሩ ይልምነና። ሓያል ንጉስ ክንሱስ፡ ኣብ ውሽጢ ልብና ንኽኣቱ፡ ብደገ ኰይኑ ይኲሕኲሕ።

ድምጺ ፈጣሪኣ ሰሚዓ ብኣጋ ማዕጾኣ እትኸፍል ልቢ ይዓድለና!

Posted 28.05.2016.

ሎቱ ስብሐት!


 

ንዂሉ ሰብ ምስዋር ተዝፍቀዶ...፧


በስመ ሥላሴ

ካብ እግዚአብሔር ተሰዊርካ ክንበር ተዝከኣል፡ ቊጽሪ ሓደ ሰብ ተሰዊሩ ክነብር ምደለየ። ምኽንያቱ እቲ እንኮ መሳወርን፡ ኣሳዊሩ ባዕሉ ዝነድድን ሰብ'ዩ። 

እቲ ቀዳማይ ኣቦ ደቂ ሰባት፡ ኣዳም ምስ ኣበሰ፡ ውሽጡ "ተሓባእ ተሓባእ" እዩ ኢልዎ። ውሽጣዊት ፍቓዱ ዘሳወረታ ኣበሳ፡ "ተሰወር-ተሰወር" ኢላ'ያ ኣሕሸኽሺዃቶ። ናይ ኣቡኡ ልማድ ዘይሓድግ ሰብ ከኣ፡ ብግህዶ ይኹን ብተስዊር፡ ብግሊ ይኹን ብዕሊ፡ ብሃውሪ ይኹን ብወግዒ፡ ምእባስ ኣቋሪጹ ስለዘይፈልጥ፡ መምስበደለ 'በይነይ ይሕሸኒ' ምበለ። እረ ኣይሰለጦን'ምበር፥ ሰብ መምስ ኣሳወረ ክስወር መን ዘይደለየ!


በቲ ሓደ ወገን እውን ባሕርይ እግዚአብሔር ንሰባት ተሰዊርዎም ምንባሩ፡ ልዕሊ መጠን ጠቓሚ''ዩ። እምበርከስ ኣኣብ ንእብሶ በተን ደጒሐን ዘቋምታ መለኰታውያን የዕይንቱ ረርእዩ ከምዘይረኣየ ስለዝዕገሰና'ምበር፡ ይርእየና ከምዘሎ ንሕና ተንርኢ ንሕበኣሉ ምሰኣንና...!

ከመይ ኢልናኸ ክንእሎ! ሰብኳ ሽጣራና ተፈሊጥዎ ናብ ንኽወሎ ዝጠፍኣናስ፡ እግዚአብሔር ከም ሰብ ሑሕ በሃሊ ተዝኸውን ደኣ ከመይ'ልና ምጸርናዮ! በንጻሩ ንሕና ንናይ ሰባት ኣበሳ እንተፈሊጥና እነርእዮ ጸዋግነት፡ "እንቋዕ ክንፈጥርን ክንምንቊስን ዕድል ኣይተዋህበና" ዘብል'ዩ። እነሀ'ኳ ናይ ሰባት ቊርቊስን ምፍልላይን ስሩ ናይ ኣቦ ዘይተርፍ ስለዝኾነ፡ ገሊኡ ከሳውር ገሊኡ ክስወር ንርኢ ኣለና። ኣብ ዘመን ኣቤልን ቃየልን ብሰንኪ ምእዛዝን እምቢታን ዘምጽኦ ሳዕቤን፡ ዓለምና ኣብ ዝተፈራረቐ መድረኽ በጺሓ፡ ሰባት ከይተሰማምዑን ከይተፋቐሩን ክነብሩ ንርኢ'ለና። በዚ ፍቕሪ ንምትካል ህርድግ ዝብሉ፡ በቲ ድማ ንፍቕሪ በንቊሮም ጽልኢ ክትከል ብምድላይ ክተሃላለኹ፡ ንትዕዝብትና ዛጊት ኣይተሰወሮን።


እቲ ዘሕጒሰካ ግን፡ ኰስኰስቲ ፍቕርን ጻሕተርቲ ጽልእን ነንረብሓኦም ዝሃልኩ እኳ እንተዀኑ፡ ካብ የዕይቲ እግዚአብሔር ዘይስወሩ ምዃኖም የሕጒሰካ።

 እወ! እቶም ዝለዓለ ናይ ገንዘብ ረብሓ መታን ከኻዕብቱ፡ ኣብ መንጎ ሕዝብታት ምብትታን ዝፍብርኹን ዘሰምስሩን ዝስምስሩንሲ፡ እንቋዕ ፈጣሪ ዘይርእዮም ኣይኮነ። እቶም ፍቕሪ ጸኒቱ ክርእዩ ጭራሽ ዘይብርሆምን ልቦም ስግኣት ዘሕበጭብጮን'ውን እንቋዕ እግዚአብሔር ኣብ ውሽጦም ኣትዩ ዘይዕዘቦም ኣይኮነ።

በቲ'ልካ በዝስ፡ እግዚእብሔር እንቋዕ ክንስወሮ ኣይፈቐደ፡ እምበርከ ዝእርምን ዘንስተኻኽልን የድልየና'ዩ። ድማ ኣይምኸኣልናዮን ኲልንትናና ንምንባር ምጽልኦ። ተሰዊርካ ምንባር'ውን ኣሻብና ምምነናዮ። 

እንቋዕ ኲሉ ዘሳውር ዝስወር ኣይኮነ!

ሎቱ ስብሐት!

ሓበሬታ፡-

 "ምስዋር" ድርብ ቃል ምዃና ኣንበብቲ ክትርድኡለይ ይምሕጸን።

Posted 03.07.2021.



ኣነ ግዳ ውሉድካ ንክናኣናዊት'ኳ ዝመሓርካ...

 በስመ ሥላሴ ኣብራም'ዩ ግብረይ ኣብ ካራን ምንባረይ ሃብታም'ዩ ሰፈረይ ብዘመናዊ ስራይ ኣብኡ'የ ዝወድቕ ይሃጥር ብስጋይ ሓሽከት ሓጣውእ ይበራረዩለይ ገንዘብ ሶዶም ክኸስብ ገንዘብካ ይስእኖ እናሻዕ ይንኖ...