onsdag 12. juli 2017

በስመ ስላሴ ይርሐቁ ሓጣውእ እምንየ ወእምነ ኩልነ።


መብዛሕትና፡ደረፍቲ ኢና፡መብዛሕትና ሰተይቲ ሽጋራ ኢና፡መብዛሕትና ጫት እንቑሑም ኢና፡መብዛሕትና ሰኽራማት ኢና፡መብዛሕትና ሓመይቲ ኢና፡መብዛሕትና ተባኣስቲ ኢና፡መብዛሕትና ዘማውያን ኢና።ሰይጣን እንዳተጻወተልና ኢዩ።
ንመብዛሕትና ሰይጣን ኣሽካዕለል እንዳተጻወትውልና ኢዩ።ንመብዛሕትና ሰይጣን ኣታሊሉ ደቂ መዛሙርቱ ገይርና ኢዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ሰይጣን ብከቢድ ነገር ኣሰኒፍና ዘሎ ብደርፊ ኢዩ።መብዛሕትና ኣብ birthday እንተዘይተደሪፉ birthday ኮይኑ ኣይስመዓናን ኢዩ፡መብዛሕትና ኣብ መርዓ እንተዘይተደሪፉ መርዓ ኮይኑ ኣይስመዓናን፡መብዛሕትና ኣብ ግዜ ሓጎስ እንተዘይተደሪፉ ሓጎስ ኣይመስለናን።መብዛሕትና ኣብ ምርቓና ደርፊ እንተዘይተደሪፍልና ምርቓ ኮይኑ ኣይስመዓናን።ሰይጣን እንዳተጻወተልና ኢዩ።ክትዝምር ዝግባኣ ልሳንና እንክትደርፍ ከመይ ዘየጉህየካ፡ንኣምላኻ ብመዝሙር ከተሕጉሶ ዝግበኣ ልሳን ንሰይጣን ብደርዲ ከተኽብሮ እንከላ ከመይ እግዚኣብሄር ዘይጉሂ፧ቅዱስ ምስጋናን ውዳሴን ክትሰምዕ ዝግበአን የእዛን ርኹስ ነገር ክሰምዓ እንከለዋኸ ከመይ ዋናአን ዘይጉሂ !!!
ምላልባሽ ኣነ ሰሚዐምበር መዓስ ደሪፈ ትብል ትኾውን።ሌባን ተሓባባሪ ሌባን ግን ክልቲኦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዓሚጾም ኢዮም።ክልቲኦም ሊታያቡ ኢዮም።ኣብ ናይ ክርስቶስ ስቕለት እቶም ብመስማር ዝሸንከርዎ ሮማውያን ወተሃደራት ውሕዳት ኢዮም፡እቶም ተሓባበርቶም ግን መብዛሕትኦም እስራኤላውያን ኢዮም.አብዛሕትኦም እካ ብመስማር ንኽስምርዎ ዕድል እንተዘይረኸቡ፡ ብዘልዎም ሓይሊ ግን ክስቀል ከም ከምዘለዎ ደገፎም ኣስሚዕም ኢዮም። ስለዚ እቶም ብመስማር ዝሰመርዎን፡ይሰቐል ይሰቐል ኢሎም ዝወጨጩን ኣብ ክልቲኦም እግዚኣብሄር ሓዚኑ ኢዩ።ዝተንጠልጠለ ቅጽትን ድማ ኣሎዎም።
ስለዚ ንሕና ተሓባበርቲ ደራፎ እንተዘይንኸውን እቶም ደረፍቲ ኣይምደረፉን፡ንሕና ካሴቶም ምግዛእ እንተንሓድግ ንሳቶም ኣይምሓተሙን፡ንሕና ኣብቲ ዝዕድሙና ኣዳራሽ night ተዘይንኸድ ንሳቶም ወረቐት ዘርጊሖም ኣይምዓደሙናን።ደርፎም እንተዘንገድፍ ንሳቶም ኣይምደረፉን።እቶም ሰማዕቲ ደርፍን ደራፎን፡እቶም ደገፍቲ ደርፍን ደራፎን ኩላቶም ንእግዚኣብሄር ኣጊሆሞ ኢዮም።ብንስሓ እንተዘይተመሊስና፡ዋላ ንሕና ንንሓፍ ንምሓር ኣይኮንናን።ንሳቶም ብምድራፎም ንሕና ብምድናቕናን ብምድጋፍናን እግዚኣብሄር ኣይክምሕረናን ኢዩ።
ንሕና ንግጥምታቶም ተዘይነድንቕ እቶም ገጠምቲ ነቶም ደራፎ ግጥሚ ኣይምጽሓፉሎምን፡ንሕና ምላልባሽ ኣብ ስትድዮ ኣቲና ኣይደረፍናን ንኸውን፡ማይክሮፎን ሒዝና ኣብ ስተጅ ኣይደረፍናን ንክውን።እንተድኣ ሰሚዕናዮን ኣድኒቕናዮን ግን ተሓተቲ ኢና።ደርፊ ንሰይጣን ከም መስዋእቲ ዕጣን ዝወሃብ ሓጥያት ኢዩ፡እዚ ጥራይውን ኣይኮነን፡እቶም ኣብቲ ደርፊ ዝሳተፉ ድማ ኩላቶም ምስቲ መስዋእቲ እንዳሓበሩ ኢዮም።ደራፊ ብከናፍሩ፡ንሕና ሰማዕቲ ድማ ብየእዛንና ንፈጣሪና ኣግሀናዮ።ደርፊ ብጥበባዊ ድምጹ፡ንሕና ድማ ብጥበባዊ ሳዕሲዕትና ንእግዚኣብሄር በደልናዮ።ንሱ እንክድብል ንሕና እንክንዘልል፡ንሱ ጅም ጅም ጅም እንክብል ንሕና እስክትስም እንክንብል ሰይጣን ከበረ፡ንእግዚኣብሄር ድማ ካብ ልብና ሰጎግናዮ።ልሳንናን የእዛንናን ግን ፈጣሪና ኣብ መስቀል ብደሙ ዓዲግወን ኢዩ።ኩሉ ሰብነትና ናይ ዋናአን ናይ እግዚኣብሄር ኢየን፡ንሱ ብሓደራ ቅድስናዊ ዕዮ መታን ክንዓየለን ሂብና ከብቅዕ፡ንሕና ግን ብድፍረት የሕሊፍና ንሰይጣን ሂብናዮ።
ስለቃላቱ እግዚኣብሄር ዝተመስገነ ይኹን።መብዛሕትና እዚ ዝተባህለ ጸላዕላዕ ክብለና ይኽእል ኢዩ።ግን ልብና ንንስሓ መታን ክቕረብ እምበር፡ ንሓደ ክነቅፍ፡ኣነ ግን ጻድቕ ኮይነ ዘቕረብክዎ ጽሑፍ ኣይኮነን።ኣብዚ ካ ዝተገልጹ ሓጣውእ ዘይተንከፈኒ ሰብ ኣይኮንኩን።ንኩላትና እግዚኣብሄር ክንጠፍእ ኣይደልን ኢዩሞ ናብ ናይ ምሕረቱ ኣደባባይ ንኺድ።

tirsdag 4. juli 2017

ትምቢታት ተመልከቱ፣-

ብስመ ስላሴ ይቀጥቀጥ ከይሲ
እቲ ገፋዒ ኣዝዩ ይግፋዕ፡ እቲ ርኹስ ኣዝዩ ይርከስ፡ እቲ ጻድቕ ኣዝዩ ጽድቂ ይግበር፡ እቲ ቅዱስውን ኣዝዩ ይቀደስ፡ በለኒ።(ራእይ 22፣11)
ቀለሜንጦስ 6፣82-83 ውሉድ ንወለዶም ክጸልኡ ንሽማግለታት ድማ ክዝልፉ ኢዮም ነቶም ዝጻረፉዎም ድማ ነቶም ሃይማኖተኛታት ኢዩ። ክጻረፍዎም እንከለዉ ሕፍረትን ፍርሓትን ኣይስምዖምን፣ ውሉድ ንወላዲኡ ወላዲኡውን ንውሉዱ ብዘይፍርሓት ክቃታተሉ ኢዮም።83.እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ንኣብያተክርስትያናት ክብርብሩ ኢዮም፣ ብወርቅን ብሩርን ዝተሰርሐ ንብረትውን ክወስዱ ኢዮም ብናሕስ ንዝተሃነጹ ኣብያተክርስትያናት ከፍርሱ ንመሰረታቶም ድማ ክነቕልዎ ኢዮም ፣ነቶም ንዓይ ንዝኣምኑ መእምናን ድማ ኣፋቶምን ኣእዛኖምን የእዳዎምን ኣእጋሮምን ክቖርጽዎም ፣በዚ ዝረኸሰ ተግባር ንናይ ብዙሓት ነፍሳት ንምጥፋእ ዝተሰለፉ ክኾኑ ኢዮም ምሕረትን ርህራሄን ኣብኣቶም ፈጺሙ የለን ብሰንኪ መዓቶም ሃገራት ከጥፍኡ ኢዮም።
2ጴጥሮስ 3፣3-4 ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከም ፍትወት ርእሶም ዚመላለሱን ዜላግጹ መላገጽትን ከም ዚመጹ፡ ቅድሚ ዅሉ እዚ ፍለጡ። ንሳቶም ከኣ፡ ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ አሎ ፧ ካብታ ኣቦታትና ዝደቀሱላ መዓልቲ፡ ካብ መጀመርታ ፍጥረት ሒዙ ኵሉ ኸምቲ ዝነበሮ እዩ ዘሎ፡ ኪብሉ እዮም።
2ጢሞጢዎስ 3፣1-7 ኣብተን ዳሕሮት መዓልታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ፡ እዚ ፍለጥ። ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ተጀሃርቲ፡ ዕቡያት፡ ተጻረፍቲ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ዘየማስዉ፡ ርኹሳት፡ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም፡ ተቐየምቲ፡ ሓመይቲ፡ ቀለልቲ፡ ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡ ኣሕሊፎም ዚህቡ፡ ህዉኻት፡ ተፈኽነንቲ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ፡ እቶም መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም፡ ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ፡ ናብ ኣባይቲ ህሩጕ እናበሉ፡ ሓጢኣት ዝመልኤንን ብብዙሕ ትምኒት ዚድፍኣን፡ ኵሉ ሳዕ ዚምሃራ ናብቲ ፍልጠት ሓቂ ኺበጽሓ ግና ከቶ ዘይከኣለን ኣንስቲ ዚማርኹ፡ ካብ እዚኣቶም እዮም እሞ፡ ካብ እዚኣቶምውን ርሐቕ።
ይሁዳ 1,፣10-13 እዚኣቶም ግና ነቲ ዘይፈልጥዎ ይጸርፍዎ፡ በቲ ብባህርዮም ከምቶም ኣእምሮ ዜብሎም እንስሳታት ገይሮም ዚፈልጥዎ ብእኡ ነታ ርእሶም የጥፍእዋ አለዉ። ብመገዲ ቃየል ስለ ዝኸዱ፡ ምእንቲ ዓስቢ ብስሕተት ባላዓም ጸደፉ፡ ብዕልወት ቆራ ኸኣ ጠፊኦም እዮም እሞ፡ ወይለኦም። እዚኣቶም ብዘይ ፍርሃት ምሳኻትኩም እናበልዑ ንርእሶም ዚጓስዩ፡ ኣብቲ ናይ ፍቕሪ መኣድኹም ጻያቒቶ እዮም፡ ንፋስ ንየው ነጀው ዚደፍኦ፡ ማይ ዜብሉ ደበና፡ ዘይፈርያ፡ ክልተ ሳዕ ዝሞታ፡ ካብ ሱረን እተመንቈሳ ኣእዋም ሓጋይ፡ ነቲ ነውሪ ርእሶም ዜዕፍርዎ ብርቱዓት ማዕበል ባሕሪ፡ ብርግርግ ዚብሉ ኸዋኽብቲ እዮም፡ ነዚኣቶም ግብ ዝበለ ጸልማት ንዘለኣለም ተዐቝሩሎም አሎ።
ራእይ ዮሐንስ 13፣5-8 ቃል ትዕቢትን ጸርፍን ዚዛረብ ኣፍ ተዋህቦ፡ በርብዓን ክልተን ወርሒ ግብሩ ኺገብርውን ምልኪ ተዋህቦ።ንምጽራፍ ኣምላኽን ንስሙን ንማሕደሩን ነቶም ኣብ ሰማይ ዚነብሩውን ኪጸርፎም ኣፉ ኸፈተ። ምስቶም ቅዱሳት ውግእ ኪገብርን ኪስዕሮምን ከኣ ተዋህቦ። ኣብ ልዕሊ ዅላቶም ዓሌታትን ህዝብን ቋንቋታትን ኣህዛብን ድማ ምልኪ ተዋህቦ።እቶም፡ ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ስሞም ኣብቲ ናይቲ እተሐርደ ገንሸል መጽሓፍ ህይወት ዘይተጻሕፈ፡ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዅላቶም ኪሰግዱሉ እዮም
ይሁዳ 1፣20-23 ንስኻትኩም ግና፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ በታ ኻብ ኵሉ እተቐደሰት እምነትኩም ንርእስኹም እናሀነጽኩም፡ ብመንፈስ ቅዱስውን እናጸሌኹም፡ ነቲ ናብ ህይወት ዘለኣለም ዜብጽሕ ምሕረት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እናተጸቤኹምሲ፡ ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሐልውዋ።ንገሊኦም፡ ነቶም ዚጣራጠሩ፡ ኣረድእዎም። ንገሊኦም ካብ ሓዊ መንጢልኩም ኣናግፍዎም፡ ንገሊኦም ድማ፡ ነቲ ብስጋ ዝረኸሰ ኽዳን እኳ እናጸላእኩም፡ ብፍርሃት ደንግጹሎም

tirsdag 27. juni 2017

ንብረትዶ ወይሲ ሰብ ኢዩ ክኾርዕ ዝግበኦ፧

ብስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን፡-

ኣየ ሰብ፡ወርቂ ጥፊእኒ ኢሉ መሬት ይፍሕትር፡ገንዘብ ጠፊኡኒ ኢሉ ክደሊ ይውዕል፡ብሩር ስለዝጠፍኦ ምድሪቤቱ ንብምልኡ ክኽስትር ይርከብ፡ገዛእ ርእሱ ጠፊኡ ግን ምንም ዝገበሮ ኣስተዋጽኦ የለን።ነብሲዶ ይኸብር ንብረት፧ብካልእ መዳይውን ክቡር ንብረት ወርቂ ብሩር ስለዘንጠልጠልና ንሕና ዲና ክንኮርዕ ዝግባኣና ወይሲ እቲ ሂዎት ዘይብሉ ንብረት ኣባና ኣብቶም መልክዕ ኣምላኽ ዘለና ሰባት ስለዝተንጠልጠለ ክኾርዕ ነይርዎ፧ ንሕናግን ምበንጻሩ ገይርናዮ።እቲ ንብረት ምስ ጠፈአ ድማ ክንድዚ ሻቒሎት!!ንብረት ጠፊኡ ክሳብ ክንድዚ ዝተሻቐለ ወድሰብ፡ነብሱ ብሓጥያት ጠፊኣ፡ካብ ማሕበረ ቅዱሳት ተነጺላ እናሃለወት ግን ንዓኣ ናብ ንቡር ንምምላስ ዝግበር ምፍታሽ ተራ ነገር ገይሩ ሓሲብዎ!!!
ኣየ ሰብ!!

እዞም ሕጂ ትርእይዎም ዘለኾም ጨካናት ነገስታት ጭላፍ ናይቲ ኣብ ሲኦል ዘሎ ንጉስ ኢዮም።እዞም ሕጂ ዝረኣይኹም ዘለዉ ርህሩሃት ነገስታት ድማ ጭላፍ ናይቲ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዘሎ ንጉስ ኢዮም።ኣብ ሲኦል ሓደ ጨካን ንጉስ ጥራይ ኢዩ ዘሎ ንሱ ድያብሎስ ኢዩ፡መንግስቱ ንኸስፍሕ ሰራዊት ኣኽቲቱ እነሀለ።ሰለያ ኣሎዉዎ፡ናብ ሓጥያት ዝመርሑ ተቓናቐንቲውን ኣዕጢቑ ኣሎ።ብሕጂ ናቱ ሰራዊት ክኾውን ዝደሊ እንተሎ ድማ፡ናይዛ ዓለም ዋጋ እንዳኸፈለ ኣባለይ ክገብሮም ብምባል ኣዋጅ ኣውጁ ኣሎ።

ኣብ መንግስተ ሰማያት ድማ ሓደ ላዋህ ንግሱ ጥራይ ኢዩ ዘሎ፡ብዙሓት ሰራዊት ድማ ኣሎዉዎ፡እቲ ካብ ውሽጦም ዝስማዕ ድምጺ ናይቲ ለዋህ ንጉስ ድምጺ ንኽእውጁ ብዙሓት ሰራዊ ኣዕጢቑ ኣሎ፡
ብማዕዶ ብፍሪኦም ኢኻ ትፈልጦም፡ክኸዱ፡ክቕመጡ፡ክኽደኑ፡ክለብሱ፡ክዛረቡ፡ትም ክብሉ፡ፍቕሮም ክገላለጹ ኮታ ቅምጥ ኢሎም ናይቲ ለዋህ ንጉስ መሲሎም ኢዮም ዝረኣዩ።
ክትሪኦም ዝተማረኹ ይመስሉ፡ግን ዝማርኹ ኢዮም፡ዝተምበርከኹ ክመስሉ ይግረፉ፡ግን ሰማያዊ ስልጣን ዝተዋህቦም ዝኣስሩን ዝፈትሑን ሰብ ስልጣን ሰብ ኣኽሊል ኢዮም።ድኻታት ክመስሉ ዝስደዱ ኢዮም፡ኣብ ሰማያት ግን ንምርኣያ ዘይትጽገብ ሃገር ኣላቶም።እዞም ሰራዊት እዚኦም ነንኣሽቱ ጉጅለታት እንዳሰደዱ ናብዛ ዓለም ተላኢኾም ኣሎዉ፡ዕላምኦም ኣባላት ናይቲ ለዋህ ንግስ ኣብዛ ምድሪ ብዙሓት ሰራዊት ንከኽትቱ ኢዩ።ሃዋርያ ጳውሎስ ከም ዓቀይታ ኮይንካ ናይ ክርስቶስ ወታሃደር ኩን በለ። እወ ዕላማ ናይዞም ሰራዊትዚኦም ከምኣቶም ለዋሃት ሰራዊተ እግዚኣብሄር ካብዛ ምድሪ ገፊፎም ንኽከዱ ኢዩ፡ካልእ ዕላማ የብሎምን።

እሞ ወገናተይ፡እዞም ሕጂ ምስዞም ናይ ምድሪ ነገስታት እዚ ጨካን ኢዩ፡እዚባ ይሓይሽ እንክንብል ጸሓይ ዓሪባትና ዘላ፡ናይ መን ኣባል ምኻን ይሓሽ ትብሉ፡ናይዞም ኣብ ምድሪ ዘሎዉ ጭላፍዶ ወይሲ ናይቶም ክልተ ቀንዲ፡እዞም ቀንዲ ዝበልናዮም ድያብሎስን እግዚኣብሄርን ኢዮም።
ኣባላት ሰራዊት እግዚኣብሄር ኮይንና ንኽንነብር ዕድሜና ገና ከይጀመረ ፡ናይ መንፈሳዊ ብርጌደር ጀነራል ማዕርግ ብጥምቀት ዝሃበና ኣምላኽ ክብሪ ምስጋና ንዑኡ ይኹን።ብጥምቀተ ተዋህዶ እምነት ካብ እግዚኣብሄር ዝተወለድኩም ደሥሥሥ ይበልኩም!!!
ኣባላቱ ክትኮኑ ገና ብቕዓትኩም ከይጀመረ መሪጽኩም ኣሎሞ፡ሐራይ በልዎ።
ስብሀት ለእግዚኣብሄር

fredag 23. juni 2017

መን ተማሂሩ፣


መንዩ ንወንጌል ተሓንጊጡ
መን ፈሊጡ መንከ ኣጽቂጡ
መን ኣምሂሩ መን ኣፍሊጡ
ንሳታ ድንግል፣
ሕትምቲ መጽሓፍ ዘይምርመር ውሽጣ
ዘይንታያ ዓውታ መምህር ናይ ስቕታ
ገበታ፣
ገበታ ምስጢራ መን ይመርምሮ
እልፊ ቅድስናኣ መን ይመትሮ
ኣምላኽምበር መን ይፈልጣ
ፈጣሪምበር መን ይቕመጣ
ነዚ ልባ መን ፈለጦ
መን ተማህሮ መን መርመሮ

በዚ ኣሎዉ ብዙሕ ዝፈልጡ
በዚ ኣሎዉ እንዳፈለጡ ዘጽቀጡ
ብዙሕ ዘምበቡ ብዙሕ ዘፍለጡ
ድርሳንት ዝሓንጠጡ መጽሓፍቲ ዝወሓጡ
 ቃላቶም ኣይሞተን እነሆ ተኾይጡ
ትምህርቶም ኣይሞተን እነሆለ ተኾይጡ
ፍልጠቶም ኣይሃሰሰን ረኣይዎ ተቐሚጡ
ተቐሚጡ እነሀልኩም ኣብ ተዋህዶ ሰሪጹ
ሰሪጹስ ኣብዚ ዘመንካ ተገሊጹ

ሕቱም ምስጢራ ተገልጸ
ትሕትናኣ ኣብ ልቦም ሰረጸ
ካብ ዓውታ ዓያሹ፣ ስቕታኣ ተመርጸ
ኣቤት ስቕታ!
ኣብ ስቕ ዘሎ ዓውታ
ኣብ ድንቁርና ዘሎ ዝምታ
ስቕተኛ ብስቕቱኡ ተመስገነ
ዓውተኛ ዓውትኡ በነነ
ከበሮኮ ድምጺ ገይሩ
ትሕዝቶ ሓዘል እንክመስል ነዲሩ
ዘይተማሃረስ ንብዙሓት ምሂሩ
ዘይፈለጠስ ንብዙሓት ኣደናጊሩ

ኣንቱም ጸረ ድንግል፣
ንዑ ተጸግዑ
ብሰንኪ ዓጸቦ ፍልጠት ኣይትኽድዑ
ንናይ ምኽሪ ክፉእ ኣይትስድዑ
ተጸግዑ እምበር ኣይተግድዑ
ኣምብቡምበር ኣይተጉርዑ
ኣፍቅሩምበር ኣይትጻልኡ

ንሳ ትኹን ኣዴኹም፣
መምህር ፍቕሪ ስቕታኣ ዝዛሪ
ሐረገ ሳቤቕ ናይ ኣብርሃም ምኽሪ
ንኣስተርእዮ ገንሸል ኣሰረቶ
ኣብርሃም ሰሓቐ ይስሓቕ ሓንቀቐ
ሓረግ ኮይና ድንግል ጽንጽተኣ ተሰምዐ

ነዚ ምስጢር
 መን ሓቖፎ
ኣብ ብራንና መን ለጠፎ
ናብዚ ወለዶ መን ኣተሓላለፎ
ኣንቱም ናይ ሎሚ ህዝቢ፣
ሕንዚዛ ዘመን ከይኮነኩም ንህቢ
ስሕተት ከይለሓኸ
ልቢ ብምንፍቕና ከይተሓለኸ
ናይ ጥንቱ ብናይ ሎሚ ከይተሓኸኸ
ተማሃሩ ምበር ኣይተማርሩ
መርምሩምበር ኣይተድሓርሕሩ

ኣሰራ ዛ ድንግል ኣብ ሲና በጽሐ
ንምድረበዳ ሰንጠቐ ታሪኻ ተተረኸ
ኣንቱም ተረኽቲ እነህልኩም ታሪኽ
ኣምብብዎ ከይሓቐቐ
በዚሖም ንጹሑፋት ዝፍሕቑ
በረዝቲ ሓቂ ንሓሶት ዝሕለቑ
በሉ ንስኻትኩምውን ኣይትሕመቑ
ተንስኡምበር ኣይትደበቑ
ትንሳኤኹምያሞ
ንሓጥያት ልቐቑ ንጽድቂ ተሓለቑ
ወስብሀት ለእግዚኣብሄር።

søndag 18. juni 2017

ቀርኒብ


በዚሐን ዘን ቅርኒብ
ዓይነይ ከይስለብ
ልበይ ዑረት ከይሕለብ

ካዕቦአን ኮይኑ ደስታ
ኣሸበን ይዕጸዋ
ኣሻበን ይኽፈታ
ንዘይግቡእ ከይሰልመታ
ነቲ ጉቡእ ግን ይዕመታ
ቀርኒብ ለቖታ
ንእኽሊ ገዲፈን ንሓጥያት ዝግብታ

እንታይ ጣቃዩ ዘይሩኡይ ዘሪኣኒ
ንዝረአ ዝኸልኣኒ
ነቲ ቅዱስ ተኸልኪለ
ነቲ ርኹስ ኣገናዕ ተባሂለ
ቀርኒበይ!

ንዕነባ ተኣዘዛ
 ናብዚ ገዲፍክንሲ
ናብቲ ትጥምዘዛ
ይሰምዓኮ ኣሎዋ የእዛን ክዕልሉ
እነሀዉ ይሽብሽቡ ብመንፈስ ይዘሉ
ተኸፈታባ ክርእያዘን የዒንቲ
ምስኦም ይሕሸን ካብ ምስቶም ተላሃይቲ
ነቶም ረቂቓን ህያዋን መናፍስቲ
ነቶም ሊቃናት ኣሕሉቕ መልኣክቲ
ልበይ ናፊቓቶም መቂሩዋዩ ግዲ
የግዲ፣
ንስኽን ጥራይ ሕራይ በላ
ልቢሲ ኣላቶ ባዕላ
ዝማሬቶም መዛሙራን ውቃበ ዓይኒ
ደርፊቶም ተላሃይቲ ሓበላ ዓይኒ
መልክዕትን ቅዱሳን እምብዛ ሳዕሪሩ
ሸውሃተ ልበይ ብስእሎም ተደሪሩ
ንሳቶም ክዝምሩ
ሕልናይ ከማዕዱ ደስታኣ ነይሩ
ቅርኒብ ብምእባያ ግን ልበይ ኣማሪሩ
ኣየ ልበይ ምስኪን
ንሳ እንክትናፍቕ
ብሰንኪ ቅርኒብ ግን ጠጥዑሙ ተኸሊእክን

ብሰንክኽን፣
ብሰንክኽን ቅርኒበይ ትኽስታ ኮይኑ
መልክዕቶም ቅዱሳን ካባይ ተሰዊሩ
ንዕነባ ተኸፈታ
ሕራይ በላኒ ኣይትሰልምታ

መልክዕቶም ስጋውያን
ሕፍረቶም ተቐሊዑ
ልበይ ነቢዑ
ንብዓቱ ንውሽጢ ነዚዑ
ንዓኽን ጽጋብ ንልቢ ግን ዓጸቦ
ዓጸቦ፣
ነቲ ነውሪ ተኻቲኽክናኒ ንኽሪኦ
ንሕልና ዝወግኦ
ጭማራኡ ሓጥያት ሰይጣን ዝጠጀኦ
ኣየ ጭማራ፣
ቀርኒበይ ግዳ ኣበይ ኢለነኦ

መጽሓፍ ተገንጸለ
ቃላትቲ ሰባኺ ፈልፈለ
ልበይ ሰምዓቶ
ቃል ፈጣሪኣ ብድምጹ ፈሊጣቶ
ኣላልያቶ፣
ናይ ምጽኣት ጥሩምባኡ ናፊቓቶ
ፍትወይ እንክትብል እምብዛ ቀሪባቶ
መሓሪት ልቡ ኣላልያቶ
ናብቲ ሕልፍኙኡ ንምእታው ብሂጋቶ
ሰሓበኒሞ ተተሓሒዝና ክንጎዪ
ኣነ ክእዘዘካ ንስኻ ክትዓዩ
ኢላ ልቢ ውዕል እንክትፍርም
ቀርኒብ ግን ሓንጊዳ
መርዓዊ ገዲፋ ውሽማ ለሚዳ

ኣየ ሰይጣን ዘይደሓን ውሽማ
ንቀርኒብ ኣታሊሉ ንልበይ ኣሕሰማ
ልበይ ድንግልናኣ ፈሪሱ
ፈጣሪኣ እንክትርኢ ንብዓታ ፈሲሱ
ፈሲሱ፣
ዶምዝ ዘይብሉ ንብዓታ
ክንዲ ንስሓኣ ድዩ ዝኹሉ ገበታ
በይና ነቢዓቶ
ቅድስና ዘየብሉ ክንድዚ ተነኽኒኻቶ

ሓይሊኮ ነይርዋዛ ልቢ
ንቀርኒብ ክትመርሕ
ናብቲ ደገኛ ምሕህረቱ ወሃቢ
ኣብ ቅድሚኡ ክትነብዕ
ዶሞዛ ክትሓፍሶ
መንግስቱ ክትወርሶ
ሲኦላዊ ገርገራ ክተፍርሶ
ተታሊላ ግን ዛልቢ
ቀርኒብ ኮይነነኣ ወዝቢ
ዘይሓሰበቶ ወዝቢ
ንሰን ይኽፈታ ምስ ጽድቂ ይማጎታ
ሓጥያት ሰሊኹ የዒንቲ ምስተኸፈታ

ኣየ ቀርኒበይ ሰንቀ
ሑጋ ኮይኑኒ ናይ ሰይጣን ማህጸ
ኣታሊልወን ሰይጣን፣
ጥዑያት እንክመስላ ከምዝነብዓ ገይርወን
ኣብቲ ዘይንበዖ ኣንቢዕወን
ንዘይጡዑም ጡዑም ኢሉወን
ናብ ዘይመንገደን ኣዘንቢልወን

ተታሊነን ቀርኒብ
ምእንቲ ክእክባ ብሓጥያት ክስለባ
ሓጥያት ክሰሉኽ ንሕልና ክኸባ
ኣጛቡዝ ንኽዝረፉ ለኽይወን ኩሕሊ
መልክዐን ረሪኦም ክወድቁ ናብ ባሕሪ
ኣየ ሓጥያት ባሕሪ
ጸረ ልቢ ጸረ ሕልና ጸረ ፈጣሪ
ኩሒልንስ ተሰዊጡ
ኣብተን ዝተኻሓላ ሰይጣን ተቐሚጡ
ኣንጻር ሕልና ድግዲጊት ኣብ ቀርኒብ ተኾይጡ

ቀርኒበይ ሕደጋ
ናብቲ ገዲፍክን ናብዚ ኣቕልባ
ኢንተርኔት ገዲፍክን መጽሓፍ ተመገባ
ወልፊ ተሓሪምክን ናብ ዘፈር ክዳኑ ልገባ
ዘፈር ክዳኑ
ሕሙማን ብኡኡ ዝደሓኑ
ሓጥኣን ብኡኡ ዝኾነኑ
ካብ ርሒቕክነዎ ትኹነና
ልገበኦ ጥፍሒ መንግስቱ ተዓዘበኦ
ቃሉ ይሕሸክን ንዕነ ረዓመኦ
በጃኽን ኣይተሓሰመኦ

እቲ ሰባኺ መጸ
መጸ መለኸቱ ነፊሑ
ድምጺ መቃልሑ
ናብ ልቢ ክኣቱ ንየእዛን ካሕኪሑ
እነሆለ ብርሃኑ ደጊሑ
ሓቀኛ ጩራ ናብ ልቢ ደጊሑ
ደጊሑ
ነፍሲ ተደሲታ ሰሚዓ መጛልሑ

ቀርኒበይ ሐራይ በላ
ናብቲ ብርሃን ዝመስል ኣይትዝለላ
ብርሃን ነይኮነ ሓሻካ ኣይትታለላ
ኣብቲ ጸልማት ኣይትኹለላ
ምእንቲ ሓጥያት ኣይትኮሓላ
መንዩ ክሕጎሰልክን ንመን ትኮሓላ
መርዓዊ እንከለክን ናበይ ትሕክላ
ሐራይ በላ ቀርኒብ
ሕልና ክትሕምበብ የዒንቲ ክሳገራ
ኣብቲ ማዕዶ ቅድስና ሓቢረን ክነብራ

ወስብሀት ለእግዚኣብሄር

lørdag 10. juni 2017

መጽሓፈ ሄኖክ ኣንድምታ ብኣምሓርኛ

http://books.good-amharic-books.com/haynok-1.PDF

"መኣዲ መስ ሶርያዊ!"

በስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።

"መኣዲ መስ ሶርያዊ!"
፨፨፨ ፨፨፨ ፨፨፨
ኣዚኻ ብዝጠመኻሉ ዕለት ኢዩ ንበል፡ኣብ ቅድሜኻ መግቢ ተቐሪቡልካ ንስኻውን ንምብላዕ እንክትቀራረብ፡ሓደ ኣቦ ነቲ መኣዲ ንኽባርኹ ተንሲኦም።ኣቦ ናይ መኣዲ ጸሎት ቁሩብ ኣንውሕ እንተዘብልዎስ እንታይ ምተሰመዓካ፧

መቸም መዓናጡኻ ብጥሙዩ፡ብኣፍካ ኣሜን እንዳበልካ ብልብኻ ግን ምርጋምካ ኣይተርፍን።" ኣነ ነቲ ጸሎት መዓስ ኢየ ዝጸላእክዎ፧ ነገር ግን ሰሎሞን 'ንኹሉ ገግዚኡ ኣሎዎ' ኣይበለን ድዩ፧" እንዳበልካ ምስ ገዛእ ርእስኻ ትማጎትዶ ትህሉ፧መቸም ጸሎቱ ኣብቂዑ ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ካብ ጎይታ ብዝተማሃርክዎ ስርዓት፡(ሉቃ 24፣30) እቲ ካህን ካብቲ እንጌራ ቆሪሱ ምስሃበ ባዶነትካ ዘይክበርሃልካ ይኽእል ኢዩ።ማእዲ ምስተጀመረ ግን ቂምታኻ ረሲዕካ ደስ ኢሉካ ኢኻ ትምገቦ።እቲ ሶርያዊ ዝበሎ እንተትሰምዕ ግን ገዛእ ርእስኻ ምተዓዘብካያ!

እቲ ሶርያዊ ቅዱስ ኤፍሬም ቅድሚ ምብልዑ ንዝግበር ጸሎት፡ሓደ ካብቶም ኣዝዩ ዓቢ ቦታ ዝህብዎ ኣቦታት ነበረ።ርግጽ ኢዩ ኣብ መጽሓፈ መነኮሳት መግቢ ቀሪቡ ክባርኽ ኢሉ ጸሎት ምስ ጀመረ፡ድሕሪኡ ነቲ መግቢ ረሲዑ፡ብተመስጦ ጸሎት እንክገብር ዝሓደረ፡ንጽባሒቱ ዝቐጸለ መዓልቲ ጾም ዝኣትዎ ኣቦ ኣሎዉ።ብርግጽ ናይ እግዚኣብሄር ስም መግቢ ዝኾኖም ኣቦታት ካብ ሰማያዊ መኣዲ ብድድ ኢሎም ተንሲኦም፡ናብ ምድራዊ መግቢ ምምጻእ፡ቁልቁለት ይኾኖም።ንሕና ስጋውያን ድማ፡ንሰማያዊ ናይ ጸሎት ጉዕዞ ቀሪብና እንካን ስለምድራዊ መግቢ ምሕሳብ ኣይነቃርጽን።
ብርግጽ ንምብላዕ ፈጣሪ ምምስጋን ስለምንታይ ኣድለየ፧

ቅዱስ ኤፍሬም ስለ መግቢ ብዝደረሶ ኣብ
(Table Blessing of Mar Ephrem) ዝብል መጽሓፉ፡" ኣዳም ኣብ ገነት እንዳሃለወ ነታ ዕጸ በለስ ቅድሚ ምብልዑ ኣየመስገነን።ምብልዑውን ዓመጽ ኮይኑ ተቖጽረሉ፡( ንኣዳም ንምድሓን ንካሕሳ ዝመጸ) ጎይታ ግን ማእዲ ኣመስጊኑ ፡ባሪኹ ይቖርስ ነበረ።"ብማለት ይዛረብ።እስከ ኣዳምን ሄዋንን ነታ ዕጸ በለስ ዝበልዑላ ዕለት ንዘክራ!

"ብለይቱ ነታ ዕጸ ንምብላዕ ዝጠዓመት ከምዝኾነ፡ንዓይኒውን ኣዝዩ ከምዝስሕብ፡ጥበብ ንምሃብ ጽቡቕ ከምዝኾነት ረኣየት።ካብቲ ፍሬኡ ወሰደትሞ በለዐት።ድማ ፦ንሰብኣያ ሂባ፡ንሱውን ምስኣ በለዐ።" (ዘፍ3፣6)
"ወሰደትሞ በለዐት፡ሃበቶሞ በልዐ።" ንዝብላ ቃላት ኣዳምን ሄዋንን ከየመስገኑ ምብልዖም ቁልጭ ኣቢሉ የርእየና።ምላልባሽውን ቅድሚ ምብልዖም ብጸሎት ኣመስጊኖም እንተዝነብሩ፡ናይ ፈጣሪኦም ትእዛዝን ዝገበረሎም ኩሉን ሓሲቦም ካብ ሓጥያት ክኽልከሉ ምኸኣሉ ነይሮም።

ቅዱስ ኤፍሬም ሰብ ብብልዑ ካብዘየመስገነ፡ካብ እንሥሳ ኣይፍለይን ኢዩ ይብል።እንሥሳታት ስለቲ ዝበልዕዎ ነገር ኣመስጊኖም ኣይፈልጡን ኢዮም።( ሓደ ኣቦ፡ ደርሆ ማይ ክትሰቲ እንከላ ቅንዕ እትብሎ፡ንምስጋናዶ ይኾውን፧) ክብሉ ሰሚዐ ነይረ።ማይ ምውራዱ ከምዘለዎ ኮይኑ'ዩ።) ስለዚ ቅዱስ ኤፍሬም " በሊዖም ከምዘየመስግኑ ከም እንሥሳታት ኣይንኹን።" ይብል። መሊሱ ድማ" ኣብ ቅድሚ መኣዲ ኮፍ ኢልና እንዳበላዕና ነመስግን፡እንዳመስገንና ንብላዕ።ነቲ ዝወረረና ዓጸቦ ካብ ተወገደልና፡ጽምእና ካብ ተቓረጸልና፡ሕጂ ብዘይምህዋኽ ነመስገን።" ይብለና።ምኽንያት ምምስጋንና ነፍሲ ወከፍ ኣብውሽጢ መግቢ ናይ ፈጣሪ ስራሕ ስለዘሎ'ዩ።እዚ ድንቂ ኣቦ፡ብውሁብ ናይ ዝማሬ ግጥሚታቱ ዘርዚሩ ይነግረና።

እንጀራ ወይውን ቕጫ፡ክትበልዕ እንከለኻ፡ኣዚ እንጄራ ካብ ሓመድ ይርከብ ምኻኑ ዘኪርካ ትፈልጥዶ፧እንታይ ደኣሞ ናይ ፈጣሪ ስራሕ ምድናቕ ኣይከኣለካን ድዩ፧ጡዑም ጽማቕ ክትሰቲ እንከለኻ፡እዚ ጽማቕ ካብ ዕንጨይቲ ዝተረኽበ ምኻኑ ኣስተውዒልካ ትፈልጥዶ፧ነቲ መግቢ ጣዕሚ ዝሃቦ፡ካብ ኣሻኽ ዕንጨት ዝተጸምቀ ዘይቲ ከምዝኾነ ስለምንታይ ትርስዕ ኣሎኻ፧ካብዚ ንላዕሊ እንታይ ዓይነይ ኣደናቒ ቸርነት ኣሎ፧ጨው እንተዘይነብር እዚ መግቢ ማይ ማይ ዘብል ኣይምነበረን።ጨውሲ ከም እምኒ ኣብዝረግጽዎ ስፍራ ዘቐመጠልካ ፈጣሪ ከየመስገንካ ስለምንታይ ትበልዕ ኣሎኻ፧" ይብል እቲ ቅዱስ።

ቅዱስ ኤፍሬም ሓቁ'ዩ።መግቢ ዘብሰሉልና ክኢላታት ሰብ ሞያውያን ነመስግኖም ኢና፡መግቢ ዝፈጠረ ደኣ ከመይ ዘንጊዕናዮ፧ናይቲ መግቢ ጣዕሚ ተገሪምናሉስ፡ናይቲ መግቢ ፈጣሪ ንምምስጋን ንእሽቶ ደቓይቕ እንካን ምዕጋስ ተሳኢኑና፧ጡዑም መግቢ ዘብሰሉልና ሰባት" ኢድ ይባርኽ!" ኢልና ነመስግን ኢና።ናይቶም ኣብሰልቲ ኢድን ነቲ ዝበስለ መግብን ዝፈጠረ ጎይታ ግን ኣይንዝክሮን እካ፧ቤት መግቢ ኣቲና፡ንውሑድ ሰዓታት ተመላሊሶም፡ቦታ ሂቦም፡ጽቡቕ መግብን መስተን ብኣኽብሮት ንዘቕረቡልና ኣአንገድቲ ምስጋና ነቕርበሎም ኢና።ዝነኦም ድማ ንኻልእ ሰብ ንነግረሎም ።ከም ሓደ ክቡር ኣአንጋዲ ኣብዚ ምድሪ ዝርከብ ኩሉ ኣሰናዲኡ ብምፍጻም፡ዝፈጠረን ካብ ዝተፈጠርናሉ ዘመን ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ኣብቂሉ ብጸሓይ ኣብሲሉ ዝምግበና ፈጣሪ ግን ንምምስጋን ግዜ ክሓጽረና ክንደይ የሐዝን!!!

ቅዱስ ኤፍሬም ኣብ ቅድሚ መኣዲ ስለ ሓዊውን ኣመስግኑ ይብል።
" እሳት ኣይብላዕን'ዩ፡ብኡኡ ንዝበስሉ መግብታት ኩሉ ግን ጣዕሚ ይህቦም።ብናይ መግቢ ጣዕሚ፡ናይ እሳትነት ዋዒ እንዳሃለወ ነበልባሉ ግን የለን።ሙቐቱ ኣብ የእዳውና 'ዩ፡ምቅጻሉ ድማ ካባና ርሓቐ።" ስለዚ ነቲ ሓዊ ድንቂ ገይሩ ዝፈጠረ ኣምላኽ እንዳመስገንኩም ብልዑ ይብል።

"ጎይታና እንጀራን ዓሳን ኣበርኪቱ ብዘብለዓሉ ግዜ ከምዝተመገቡ ሰባት ንኹን።ንሳቶም ክበልዑ እንከለዉ፡ብስጋውነቶም ጥራይ ዘይኮነስ፡ብነፍሳውነቶም ውን እምበር።ኣፎም ነቲ ዓሳን እንጌራን ኣየዕረፈን፡ሕልነኦም ድማ ፈጣሪ ካብ ምድናቕ ኣየዕረፈን።ይኹን እምበር ካብ መግቦም ንላዕሊ መግቢ ንዝሃቦም ጎይታ፡ምፍላጦም በሊጽሎም ምስጋንኦም ተተኪኡ ነበረ።(ዮው6፣13)

ቅዱስ ኤፍሬም ኣይወደአን፡" እንዳበላዕኩም ስለእግዝኣብሄር ተዘራረቡ፡መኣድኹም ናይ መንግስተ ሰማያት መኣዲ ይኹን፡" ይብል።ኣብ መኣዲ ስለምንታይ ንዛረብ፧ ካብ በልና ድማ ስለማኣዲ ተዛረቡ ይብለና።"
ኣብርሃም ናብ ቤት እግዚኣብሄር ተረኺቦም፡ስለቲ ዝቕረብሉ መኣዲ ተዛራረቡ፡(ዘፍ19፣1)።ነቲ ድኻ ኣልኣዛር ኣብ ኣፍደገ ገዝኡ ኣደቂሱ ይብልዕ ንዝነበረ ስለ ናይቲ ብዓለጸጋ መኣዲ ተዘራረቡ።(ሉቃ16፣21) ክትበልዑ እንከለኹም፡" ጠምየዶ ኣብላዕኩምኒ፡እንክትሰትዩ ጸሜአዶ ኣስቲኹምኒ፡ንዝብል ቃል ዘክር።
ብመኣድኹም ወይኒ ቀሪቡ እንተሎውን ብዙሕ ነገራት የዋጃበሩኻ።ወይኒ ከይሰተዩ ዝነበሩ ዝነበሩ ደቂ ኢናዳብ ተዘራረቡ።(ኤር35) ወይኒ ክትቀድሑ እንከለኹም ጳውሎስ ንጢመጢዎስ" ንኸብድኻ ቁሩብ ወይኒ ስተ" ከምዝበሎ ዘክሩ።(1ጢመ5፥23)በዚ ወይኒ መስተ ምብዛሕ ሎጥን ኖህን ናብ ምንታይ ጥፍኣት ከምዝወሰዶም እንዳዘከርኩም ካብ ምስካር ተቖጠቡ።(ዘፍ9፣21። 19፣33)

ብግዜ መኣዲ ሰብ ካብ ምትሕምማይ ቃሉ ምዝርራብ ይሓይሽ በሃሊ ኢዩ።መሃሪ ኤፍሬም ከምዚ ይብል።
"ከም ሓደሓደ ሰብ ክበልዕን ክሰትን ተቐሚጡ ዝረኣኻዮ ስጋኡ ኣየርውዮን ኢዩ።ሳኦል ስጋ ንምምጋብ ተቐሚጡ፡ናይ ዳዊት ስጋ ይምገብ ነበረ።ብገሃዲ ወይኒ እንዳሰተየ ብስውር ግን ናይ ዳዊት ደም ይሰቲ ነበረ።(1ሳሚ 20፣24)

ናይ ዮሴፍ የሕዋት ክበልዑ እንከለዉ፡ተቐሚጦም ሓዎም ንምቕታል ናብ ጉድጋድ ደርብዮም ይማኸሩ ነበሩ።መግቦም እንዳዋገዑ እንክበልዑ ደስ በሎም።ዮሴፍ" ክትሰግዱለይ ርእየኩም" ኢሉ ሕልሙ ካብ ዝነገሮም ግዜ ጀሚሮም፡ከምዛ መዓልቲ እዚኣ ገይሮም ዝበልዑላ መዓልቲ ግን የላን።
የዋህ ዮሴፍ ኣብግብጺ ገዛኢ ኮይኑ ምስ ተሾመ ግን እንዳበልዑ ንዝሸጥዎ የሕዋቱ፡ኣብ ቤተ መንግስቱ ንኽበልዑ ናብ መኣዱ ጸውዖም።" ምስ የሕዋቱ ኮይኑ ካብ ዝበልዓላ መዓልቲ፡ዮሴፍ ናይ ግብጺ እንጄራ ኣይምቅሮን ነበረ።ምስ የሕዋቱ ኮይኑ ንዝሰተዮ መዓልቲ ንላዕሊ፡ናይ ፈርዖን ወይኒ ኣየደሰቶን ነበረ።"

"ንዝፈትዎ ሰብ እንዳረኣዮ ዝሰትዮ ሰብ ምስቲ ወይኒ ገይሩ ይሰትዮ፡ጸላኢኡ እንዳረኣየ ዝሰትዮ ግን ምስቲ መስተኡ ቁጡዓ የመንጩ።ንሕና ግን ወይንናን እንጀራናን ከምንፈቱ፡ንሓድሕድና ንተሓቓቖፍ። እቲ ወይኒ ብናይ ጎሪረና ደም ምስዝወርድ፡ፍቕሪ ብሕልናና ይፈሰሰ።መግቢ ናብ ከብድና ክወርድ እንከሎ ጸሎት ብሕልናና ይምበር።"

በሊዕና ክንውድእ እንከለና" ስብሀት " ኢልና ነመስግን።እስራኤል በሊዖም ብዘይምምስጋኖም ከምዝተቐሰፉ ዘክሩ።(ዘህ21፣6)
ፈጣሪ ስጋ ሂብዎም ከየመስገኑ ክበልዑ ከለዉ፡ከይተንስኡ ናይ እግዚኣብሄር ቁጥዓ ነደደ።እቲ መግቢ ብኣፍንጭኦም ወጸ።(ዘህ11፥20)
ቅዱስ ኤፍሬም ብኣፍንጭኦም ወጸ ንዝብል፡ከብርሃልና እንከሎ"ካብ ኣፍ ንላዕሊ ንዘሎ ኣፍንጫ፡ኣፍ ብዘይምምስጋኑ ኮይኑ፡ካብ ሕገ ተፈጥሮ ንላዕሊ እቲ መግቢ ብኣፍንጫ ወጸ።" ይብል።

መቸም በሊዑ ስለምምስጋን ንዘብርሃልና፡ነዚ ጽሑፍ እንከንበብ"ሕጂ ክንደይ ምልዮን ህዝቢ እንዳጠመየ፡በሊዑ ናይ ምምስጋን ዝጽሓፍ ግዜ ኢዩ፧እዚ ህዝቢ እንታይ በሊዑ'ዩ ከመስግን፧ ዝብል ሰብ ኣይሰኣንን!!!( እቲ ጹሑፍውን ዘይክጭርሶ ይኽእል ኢዩ!!)
ቅዱስ ኤፍሬም ግን ንምምስጋን ምጽጋብ ጥራይ ምኽንያት ኣይኮነን በሃሊ ኢዩ።ናይ ሉቃስ ወንጌል ታሪኽ ብምጥቃስ " እቲ በዓል ጸጋ ኔዌ ጸጊቡ ኣየመስገነን፡እቲ ድኻ ኣልኣዛር ግን ጠምዩ የመስግን ነበረ፡ይብል።
ሓቂ'ዩ! ከይበልዐ ዘመስገነ ሰብ ብሰማይ መኣዲ ኣብ ናይ ኣብርሃም ሕቕፊ ይእንገድ።ካብ መንግስተ ሰማያት መኣዲ ይጋበዝ።ምስ ኣብርሃም፡ምስ ይሰሃቅ፡ምስ ያዕቆብ ይቕመጥ።ናይ ሂዎት እንጀራኡ ከቶ ካብ ዘየጽምኦ ምስ ናይ ሂዎት ማዩ ይረዊ።ንዘልኣለም ኣይጠምን፡ኣይጸምእን።

ስብሀት ለእግዚኣብሄር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።
ብድያቆን ሄኖክ፡
ትርጉም ተኽለማርያም ጉዕላይ

ኣነ ግዳ ውሉድካ ንክናኣናዊት'ኳ ዝመሓርካ...

 በስመ ሥላሴ ኣብራም'ዩ ግብረይ ኣብ ካራን ምንባረይ ሃብታም'ዩ ሰፈረይ ብዘመናዊ ስራይ ኣብኡ'የ ዝወድቕ ይሃጥር ብስጋይ ሓሽከት ሓጣውእ ይበራረዩለይ ገንዘብ ሶዶም ክኸስብ ገንዘብካ ይስእኖ እናሻዕ ይንኖ...