torsdag 1. februar 2018

ማስቲካ ዝለመዳ ኣስናንሲ፣ንብዕሪር ይሕሰማ፣


Bilderesultat for teeth with chingam1ይ ክፋል
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ።
ጛሶት ናይ ህዝቢ ኤርትራ፣ኣብ ጥንታዊ ያተኦም ናብ ገረብ ጮቖምጠ ሓኺሮም፣ቆጽሊ ጨቖምጠ ድማ ቀንጢቦም፣ነቲ ጉንዲ ብእምኒ ገይሮም ብምትንካሕ ጻባ ናይቲ ገረብ ብምጥቃም ኣብቲ ቆጽሊ ይለኽይዎ፣፣ምስ ነቐጸቲ ጸባ፣ ካብቲ ቆጽሊ ለቒቖም ናብ ኣስናኖም ብምውታፍ ከም ባህላዊ ማስቲካ ይጥቀምሉ ምንባሮም ኣስናነይ ዝምስክረኦ ሓቂ ኢዩ።ጥምየት ንምዕንጋል ኣይኮኑን፣ስለዝሰኣኑውን ኣይኮኑን።ጸባ እምኒ እንዳሃለዎከ ከመይ ስኢኖም ክበሃል።ንምኻኑ ጨቖምጠ ጸባን ቆጽልን ዘውጽእኮ፣ኣብ ግዜ ራሕሲ ኢዩ።መሬት ብራሕሲ ምስ ዘቕበበት፣ጨቖምጠ በኣቕጽልታ ትጉልቦብ፣ጥሪት ድማ ካብቲ ላዕመት ናይቲ ጎቦ ይዕንገላ።
ህዝብና ብምትእትታው ምዕራባውያንን ባዕዳዊ ልምድታትን ክውረር ምስ ጀመረ፣እዚ ጥንታዊ ያታታት እንዳበረሰ መጺኡ።ኣብ ዶኻክን ማስቲካ ተዘርጊሑ ንመሸጣ ብውዕዉዕ ዕዳጋታት ክቐርብ ትርእዮ ኢኻ።ብዕሪር ግን ወይከ።ንምኻኑ ማስቲካ፣ብዕሪርዶ ኣይኮነንት፧ብኣስናን ካብ ምሕያኽ ሓሊፋከ እንታይ ተምጽኦ ለውጢ ኣሎ፧ኣስናነይ ተደናጊረን ብመዓር ዝተሰመስረሐ ብዕሪር መሲልወን እምበር፣ብቐንዳ ብዕሪር ኢያ እዛ ማስቲካ።

ጻዓዱ ወይ ምዕራባውያን፣ማስቲካ ሒዞም ናብ ዓድና መጺኦም፣፣ንሕና ከኣ ቀደሙ ብዕሪር ኢና ንፈልጥ ነይርና፣ማስቲካኦም ምስ ለመድና ግን፣ንብዕሪርና ተሓሲምናዮ።ወዮ ማስቲካ ከምእንፈልጣ፣ግዝያዊ ሽኮር ኣሎዋ፣እረ ገሊኡውን ንግዚኡ ክጸንሕ ዝኽእል ምኡዝ ጨና ኣሎዋ፣ግን እቲ ሽኮራውን ጨናውን ነገር ናይ ማስቲካ ንግዚኡምበር፣ዳሕራዩስ፣ናብ ሽኮር ኣልቦ ዝኾነት ብዕሪር ኢያ ትልወጥር።ለካ ማስቲካ ንኣስናነይ፣ብግዚያዊ ሽኮራውነታ ኣደናጊራቶ እምበር፣ካብ ብዕሪር ዘፍሊ ነገር ሃልይዋ ኣይኮነን።ጻዓዱ ግን ማስቲካኦም መታን ክሽየጠሎም፣ንኣስናነይ ማስቲካ ቀስ ብቐስ ከምዝለምድ ገይሮሞ።ስለዚ ማስቲካ ዝለመዳ ኣስናን ኢየን እምበኣር፣ሕጂ ንጨቖምጠ ተዘይጸነተ ኢለን ዝምጉታ ዘለዋ።ቅኑዕ ፍርዲ እስከ ንፍረድ፣ትማሊ ብዕሪር ይሕይኻ ከምዘይነበራስ፣ሕጂ ከመይ ኢለን ተገምጢለን ንህላወ ጨቖምጠ ከጽንታ ተዓጢቐን!!

ነገሩ ጨቖምጠ እንታይ ገይሩ፣ጸዓዱስ እንታይ ገይሮም፣እቲ ጠንቂ ናይ ኣስናን ኢዩ።ኣስናን ማስቲካውን ብዕሪራውን ምኻኑ ናይ ምስትምቓር ሓላፍነት እትወስድ ኣብ ማእከሎም ዝተቐመጠት መልሓስ ምህላዋ ጥራይ ዘይኮነስ፣ካብ ከባቢ ሰራውር ኣስናን ተቐዲሖም ዘይውድኡ ምራቓውያን ባእታታት ዝውንኑ ኢዮም ኣስናን።እሞ ነቲ ትማሊ ዝሕይኽዎ ዝነበሩ ብዕሪርሲ፣ሕጂ ንእሽቶ ሽኮር ለበስ ኮይና እንተመጸቶምዛ ማስቲካ፣ካብ ብዕሪር ንምፍላዩ ከመይ ተጸጊሞም፧ቀደሙስ ንብዕሪር ብዘይገንዘብ ካብ መሮር እንዳማእረሩ ብቐረባ ይረኽብዎ ነይሮም።ሕጂ ግን ማስቲካ ምስ ለመዱ፣ንብዕሪር ተሓሲሞሞ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ብማስቲካ ክንግዛእ ይሕሸንእ ብምብእል፣ ጨቖምጠ ኣብዛ ዓለም ንዘለዎ ህላውነት ንኸጽንቱ ተታኺሶም ኣይፈልጡን  ኢዮም እዞም ኣስናን።
እሞ ንሕናኸ፣ዝለመድናዮ ናይ ጥንቲ ምሳና ዝዓበየ፣ኣስናንና ኣጸቢቑ ዝፈልጦም ሃብትታት ኣሎዉና።ጸዓዱ ድማ ሃብቶም መታን ከኻዕብቱ፣ንሃብትታትና ግን ከጽንቱ ስለዘለዉዎም፣ንዓና ንነገራቶም ቀስ ብቐስ ከምንለምድ ንኽገብሩ ወትሩ ምስ ጸዓሩ ኢዮም።እንታይስ ንግበር፧ናብ ብዕሪርናዶ ንመለስ፣ወይሲ ጸዓዱ ምስዘዝሰርሕዎ ማስቲካ እንዳተዓሸና ንምበር፧ኣነስ መጀመርያ መቐረት ብዕሪር ንፍለጥሞ፣ብድሕሪኡ እቲ ውሳነ ነናብ ኢድና ኢኸውን።ነገራት ዝኸፉኡና ጽዓዱ ስለዝሓዩ ኣይኮነን።ጥንታውን መንፈሳውን ሃብትታትና ከየለለኻ፣ጸዓዱ ምስ ዝመስርሕዎ ማስቲካታት ካብ ምኽብላል ዝዓቢ ስንፍናኮ የለን።
2ይ ክፋል ይቕጽል።
ወስብሀት ለእግዚኣብሔር።

tirsdag 9. januar 2018

ቀሊሜንጦስ 6,፣21.ኣዳም ዓሻ ኮይኑ ኣይተፈጥረን ኣስተውዓልን ብልሓተኛን ኮይኑ ኢዩ ዝተፈጥረ ካብ ናይ ጥበቡ ብዝሒ ዝተበገሰ ንኹሎም ፍጡራን በብስሞም ሰየሞም።
ቀሊሜንጦስ 6,፣54.በደል ክትበዝሕ ኢያ ደናግል ኣንስቲ ሕፍረተን ክቕላዕ ኢዩ ኣቦ ንውሉዱ ውሉድ ድማ ንወላዲኡ ክኽሕዱ ኢዮም ኣገልጋሊ ንኣስራሒኡ ክኽሕድ ኢዩ ኣደ ንውሉዳ ውሉድ ድማ ንኣዲኡ ክኽሕዱ ኢዮም ኣገልገልቲ ኣብ ልዕሊ ሓለፍቶም ትዕቢት ከርእዩ ኢዮም እመቤት ክትነዓቕ ኢያ እታ ሰራሕተኛኣ ድማ ከም እመቤት ክትከውን ኢያ መንእሰያት ንሽማግሌታት ንዒቖም ኣብ ላዕሊ ክቕመጡ ሽማግሌታት ድማ ኣብ ታሕቲ ክቕመጡ ኢዮም።

mandag 8. januar 2018

በእንተ ግልጸተ እግዚብሔር ለኩሎሙ ፍጡራቱ 3ይ ክፋል።

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።
ሕጊ ክሕገግ እንከሎ፣እቲ ሓጋጊ ሕጊ ርሑቕ ጠመተ ናይ ሓቂ ስለዘማዕዱ ኢዩ።ኣብዛ ዓለም ዘለዉ ሓገግቲ ኪደት፣ንባዕሎም ብሰንኪ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ምኻኖም ምሉእነት የብሎምን፣ስለዚ እቲ ዝብይንዎ ብያነ ፍጹምነት ኣይህልውን ስለዝኾነ ብዙሓት የግረምሩሙ ብዙሓት ድማ ይድሰቱ።ስለዚ ሰንኪ ፍጡራዊ ሕግነቶም፣ልቢ ብዙሓት ሓላፍ ዘላፍ ይኾውን።
ሰብ ሓንቲ ነገር ክግንዘብ ክግደድ ነይርዎ።ፍጡር ምኻኑ ምእማን፣ፍጡር እንተኾይኑ ከኣ፣ብዘይ ፈጣሪ ፍጡር በይኑ ከምዘይቆውም ምርዳእ ኢዩ፣ፈጣሪ እንተልዩዎ ድማ መን ኢዩ ፈጣሪየይ ኢልካ ስለህልውና ፈጣሪኡ ንዘለዎ ርድኢት ኣብ ጸጽባሕ ሃሰው ክምዝብል የእንፍተሉ።እዚ ድማ ብጉልቦታዊ ኪደቱ ክበጽሖ ስለዘይክእል፣እዚ ንኡስ ኣእምሮ ፍጦር ተመጣጢሩ ክበጽሖ ዘይክእል ንላዕሊ ክንዮ ኣድማስ፣ንታሕቲ ድማ ጥልቀታት ባርባሮስ ዘይልክዕዎ ፈጣሪ፣ገናና ስለዝኾነ ኣንታ ኣብ ርሑቕን ኣብ ውሽጢ ልበይን እትነብር ፈጣሪ፣ህልውናኻ ንኽርዳእ ንኣእምሮይን ሕልናይ ዝፈጠርካ ፈጣሪ፣ ልበይ ክፈት ኢሉ ካብ ፈጣሪኡ ሓገዝ ክሓትት ይግደድ።
እዛ ኣብ መንጎ ፈጣርን ፍጡርን ዘላ እምነት ንባዕላ ብዘይ ፍታው ፈጣሪ፣ብጉልቦት ፍጡራት ጥራይ እትቐውም ኣይኮነትን።እዚ ግን ካባና ካብ ፍጡራን እንዓዮ ተራ ኣልቦ ኢዩ ማለት ኣይኮነን።ኩሎም ቅዱሳን ነዛ ሃይማኖትዚኣ ብመንፈሳዊ ጉልቦቶም ከይወሰኹሉ፣ብሰንኪ ስጋዊ ድኻማቶም ድማ ከየግደሎ፣ህልውና እግዚኣብሔር ብፍቓዱ ግሁድ ኮነ።
እዚ ንደቂ ሰባት ዝተዋህቦ ግህዶ ወይ ግልጸትዚ ኣብ ሰለስተ ከፋፊልና ክንርእዮ ይከኣል ኢዩ፣፣
1) ኣስተርእዮ ቅድሚ ሓዱሽ ኪዳን፣
እዚ ካብ ኣቦና ኣዳም ጀሚሩ ክሳብ ልደተ ክርስቶስ ኣምላኽና ዝነበረ ግልጸት ኢዩ።ቅዱሳን ንህልውና እግዚኣብሔር ብመልክዕ ጽላሎት ኣእምሮኦምን ዘመኖምን ብዝኽእሎ ምጣኔ፣ እግዚኣብሔር በብዝተፈላለየ ግልጸት ይረኣዮምን ህልውንኡ ይኽሰተሎምን ነበረ።ንኣብነት፣ንኣዳም፣ኣበይ ኣሎኻ፣እትብል ሕቶ እትመስል ግን ከኣ ህልውንኡ እተዘኻኽር ብናይ ንስሓ ጻውዒት ጸውዖ፣ኣዳም ድማ ብመሪር ጣዕሳ ህልውንኡ ካብ ናይ ዓንተዎኡ ዝያዳ ኣብዛ ሰዓትዚኣ ንሕንቕንቕኡ ኣስቆርቆረቶ።ዘፍ 3,፣9 እዛ ድምጺ እዚኣ ኣእምሮ ኣዳም ክስከማ ዝኽእል፣ንሕልንኡ ድማ እትምችእ ድምጺ ኢያ ነይራምበር፣ኣተባህርርን ከም ናይ ከቢድ መሳርያ ኪናት ንየእዛን እትቐድድን ድምጺ ኣይነበረትን።
ቀጺላ ልሳን እግዚኣብሔር፣ ሕጂውን<< ኦ ቃኤል፣ኣቤል ሓውኻ ደኣ ኣበይ ኣሎ>> ኢላ ሕልና ቃኤል ክስከሞ ብዝኽእል ነጎድጋድ ድምጺ ተገልጸትሉ። እዛ ድምጸ ልሳንዚኣ ሓጢኣት ትቃጸወካ ኣላሞ ተጠንቀቐላ ኢለካ ከብቅዕሲ ስለምንታይ ደኣ ሰነፍካ፣ዝብል ወቓሲት ጻውዒት ብዘለዋ ድምጺ ጨደረት።ዘፍ 4፣9 እዚ ድማ ቃኤል ዋላካ ልቡ እንተተረረ፣ብሕልንኡ ከምዝውቀስን እንዳቕባሕብሐ ከምዝነብርን ገይራቶ ኢያ።
2)ኣስተርእዮ ኣብ ግዜ ሓድሽ ኪዳን፣
እዚ ድማ ፍልይ ብዝበለ ኢዩ።ከምቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ብፍታዉ እግዚኣብሔር ዝግለጾ ዝነበረ፣ሕጂውን ካብኡ ብዝጎለሐ ክግለጽ ጀመረ።እቲ ዘገርም ነዚ ግልጸትዚ ሰብ ኮይንካ ንሰባት ምስጢሩ ክገልጽ ክመርጽ ምኻኑ ኣብ ዘመነ ብሉይ ብስእላዊ መልክዕ የተስፍዎም ከምዝነበረ፣ሕጂ ቱርጋሜ ኮይኑ ተገልጸ።ኣብ ማህጸን ብፍቓዱን ብፍታዊ ደቂ ሰባትን፣ኣብ ድንግል ኣብ ማህጸና ድቂ ኮይኑ ተጸንሰ፣ከምቲ ሕገ ተፈጥሮ፣ብዘይካ ሓጢኣት ንበይና በብቑሩብ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ዓበየ።ብሓንቲ ሰከንድ ከም ዕንበባ ሱፍ፣ሓፍ ኢሉ ብሓንቲ ቃሕ ሰብ ክዓቢ ዝኽእል ኤልሻዳ ክንሱ ኣእምሮና ክስከሞ ብዝኽእል፣ንሕልናና ዝመጣጠን፣ ዝያዳ ካብ ብሉይ ኪዳን ሕጂ ኣብ ሓዱሽ ኪዳን ህላዌኡ ንክንርዳእ ኣመቻችኣልና።ርቀቱ ከረድእ ክብል ካብ ማህጸን ብሕቱም ድንግልና ተወልደ፣ስጋና ከይፈንፈኖ ምልባሱ ንክምህር ድማ፣ ኩሉ ናይ ሰብኣውነት ብዘይካ ሓጢኣት ንበይና እረ ክሳብ ሞይትካ ኣብ መቓብርን ሲኦልን ምእታው ተዓገሰ።ኣብ ዙፋኑ ከቢሩ፣ኣብ ሲኦል ተደቢቑ ዝነብር ገናና ክንሱ፣ሕጂ ግን ምእንቲ ግልጸቱ፣ስለደቂ ሰባት ክብል ክሳብ ክንድዚ ተዓገሰ።እቶም ኣብ ምድሪ ዝነበሩ ዝነበሩ ህላዌኡ ተረዲእዎም << ካባኻሞ ናበይ ከነብል፣ንስኻስ ናይ ዘልኣለም ሂዎት ዝህብ ቃል ኣሎካ>> ኢሎም፣ ክርስትያን ኮኑ፣እቶም ኣብ ሲኦል ዝነበሩ ዝነበሩ ድማ እቲ ተስፋ ምፍጻሙ ፈሊጦም ብብርሃናዊ መለኮቱ ሓርነት ተኣወጀሎም።ነዚ ቅዱስ ጳውሎስ ከመልክት እንከሎ፣<<ኣምላኽ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ መገድን ቀደም ነቦታትና ብነብያት ገይሩ ምስ ተዛረቦም፡ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንኣና በቲ ወራስ ኵሉ ዝገበሮ ብእኡውን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተዛረበና፡እብ1፣1=2 ኢሉ ይምስክር።እዚ ሕጂ ተወሊዱልና ኢልና ወትሩ ዓመት መጸ ብልደቱ እንቕደስ ክቡር ፈጣሪ፣ለካ ጥንታዊት ልደቱስ ዘመናት ዘይልክዓ ምኻና በዛ ናይ ሎሚ ልደቱ ክንግንዘብ ኣኽኣለና።ብናይ ሕጂ ግልጸቱ ነቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ኣምልኾና ዝያዳ ከምዝጥንክር ገይርዎ ይርከብ።ኤርትራ ሃገርና፣ካብዚ ናይ ብሉይ ኪዳናን ኣምልኾ ተኻፋልት ከም ምምባራ መጠን፣ኣብ ሓዱሽ ኪዳን ድማ ካብቶም ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ደቂ ሰባት፣ከም እስራኤል ቀዳመይቲ ተኻፋሊት ተስፋ ክርስትና ኮይና ኣብ ግዜ ልደቱ ኣእንገደቶ።እቶም ሰብ ተቐማጦ ይሁዳ ንዝነጸግዎ ክርስቶስ፣ ኤርትራውያን ህዝቢ ግን ተቐቢሎም ኣእንገድዎን ኣገልገልዎን።ብልሳን ኣዲኡ ድንግል ማርያም ገይሩ ድማ እሙን ፍጻሜ ተስፋ ናይ ሓድሽ ኪዳን ኣብ ደብረ ሲና ኣሰር ገዲፍልና ከደ።ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣፍሪቃ ክርስትና ኣሎ ተባሂሉ ዝዝንቶ ዘሎ ሓቃዊ ዛንታ፣ቀስቱ በቶም ኤርትራውያን ህዝቢ ኣቢሉ ዝፈለመ ምንባሩ ዝተኣመነ መዝገብ ኢዩ።
3) ኣስተርእዮ ድሕሪ ምጽኣት፣
እዚ ዘመን እዚ፣ዝተለከዐ ግዱብ ግዜ የብሉን።ብርግጽ ምጽኣት ኣሎ፣ካብ ምጽኣቱ ንንዮ ክሳብ መዓስ ምኻኑ ግን ዝተገደበ ግዜ ኣይኮነን።ድሕሪ ምጽኣት ዘሎ ክውንነት፣እቶም ብገዛእ ኢዶም ብእሳት ክነዱ ዝመረጹ፣ይዋእ! ዘልኣለማዊ ቅጽዓት፣እቶም በገዛእ ኢዶም ብብርሃናዊት ኢዱ ክደምቁ ዝመረጹ ድማ ደስ ይበሎም፣ዘኣለማዊ ሞሳ ንምቕባል ደዶሞዞም ዝቕበልሎ ዘመን ክቕልቀል ኢዩ።ኣብዚ ዘመንዚ እቶም ሓጢኣን ብርእዮ ካብዚ ናይ ሕጂ ዝያዳ ሽዑኡ ብሰንኪ ብርቱዕነት መለኮታዊ እሳትነት ፣ብቃንዛ ኣስናኖም ክሕርቅም ኢዩ፣እቶም ቅዱሳን ድማ ሳላ ከሃልነቱ እንዳተገረሙን እንዳመስገኑን ክነብሩ ኢዮም።እቲ ሽዑኡ ዝፍጸም ግልጸተ እግዚኣብሔር ካብዚ ናይ ሎሚ ዘመን ብዕጽፍታት ይበልጽ ኢዩ።ሕጂ ንዑኡ ብዋግዋጎ ንርእዮ ኣሎና፣በዛ ኣብኡ ዘላትና መነጸራዊት እምነትና ገይርና ኣብ ማዕዶ እረ ኣብ ውሽጢ ሕልናና ተቐሪጹ ይረኣየና ኣሎ።ሽዕኡ ግን ብግህዱ ክረአ ኢዩ።ናይ ሕጂ ግልጸት ካብ ናይ ብሉይ ኪዳን ከምዝበልጽ፣ናይ ሽዑኡ ማለት ናይቲ ምጽእት ግልጸት ድማ ካብ ናይ ሎሚ ዝያዳ ዕጽፍታት ክበልጽ ኢዩ።ሕጂ ኣብ ግዜ ጾሎትናን ቅዳሴናን ቅዱሳኑ ምሳና ሰሚሮም ምህላዎም በዛ ኣብ ውሽጥና እትርከብ መነጸር ማለት እምነትና ገይርና ተዘይኮኑ፣ብግህዱ ንምርኣዩ ብቕዓት ኣይረኸብናን ንኸውን፣ድሕሪ ምጽኣት ግን ምስ ቅዱስ ሚካኤል ቅዱስ ገብሪኤል፣ምስ ቅዱስ ኡራኤል ፋኒኤል፣ ምስ እልፊ ኣእላፋት ቅዱሳን መላእክት ምስ ኩሎም ጻድቃን ሰማእት ጎኒ ንጎኒ ኮይንና ንሓድሕድና እንዳተረኣኣና ንዑኡ ድማ ብግልጸቱ እንዳተደሰትና ቅዱስ፣ቅዱስ፣ቅዱስ ኢልና ከነመስግኖ ኢና። << 1ዮሐ 3,፣2ኣቱም ፍቁራተይ፡ ሕጂ ውሉድ ኣምላኽ ኢና፡ እንታይ ከም እንኸውን ከኣ፡ ገና ኣይተገልጸን። ንሱ ምስ ዚግለጽ ግና፡ ከምታ ዘለዋ ኽንርእዮ ኢና እሞ፡ ንእኡ ኸም እንመስል፡ ንፈልጥ አሎና።>> ይብል። እቲ ናይ ሽዑኡ ግልጸት መመልሲካ ተገረም ተገርም ዘብለካ እጹም ድንግቂ ዝኾነ ግልጸት ኢዩ።እዚ ኩሉ ብፍቓዱ ዝገብሮ ድማ ስለለውሃቱ ክብል ኢሉምበር ናይ ማንም ጉልቦት ስለዝገደዶ ዘይምኻኑ ዝተኣመነ ሓቂ ኢዩ።
ስለዚ ግልጸት ህልውና እግዚኣብሔር ኣብ ልቢ ፍጡራት ንኽቕረጽ፣
1) ሰባት ፍጡራት ምኻኖም ክግንዘቡ የድሊ፣
2) ፈጣሪ ወይ ድማ ሰራሒ ከምዘለዎ ክእመኑ ይግባእ።
3)ሰራሒየይ ፈጣሪየይ ከመይ ይመስል ኢልካ፣በቲ እትኽእሎ ዓቕሚ ሃሰው ምባል የድሊ፣
4) ኣሰው ክትብል እንከለኻ ድማ፣ንልበይ ዝፈጠርካ ኣምላኽ ልቦናይ ብእትኽእሎ መጠን ህልውናኻ ኣረድኣያ ኢልካ ብትሕትና ንዑኡ ምምህጻን የድሊ።
5) ንዑኡ ዝፈለጡን ዝሰዓቡን ቅዱሳን ኣበው ገድሎምን መንፈሳውነቶምን ወትሩ እንዳተመገብካዮ ምምባር ይግባእ።
6) መንፈሱ ዝነፈሶ ዘበለ ኩላቶም ቅዱሳን መጽሓፍቲ ከይሸርመምካ፣ከይቆረጽካ ብምሉእ እምነት ምቕባል ግቡእ ኢዩ።
NB. መንፈሱ ካብ ቅዱስ ዕዮ ደው ኢሉ ኣይፈልጥን ኢዩ።ካብ ዘመነ ኣዳም ክሳብ ሓድሽ ኪዳን ደው ኣይበለን።ንሱ ደው እንተዘዪሉ ድማ፣ቃላቱ እዜን ጥራይ ኢየን ኢልካ ክትቁንጭል እይከኣልን ኢዩ።ሓሳባት እግዚኣብሔር ቀዲሕካ ዝውዳእ ዒላ ብዘይምኻኑ መጠን፣ክሳብ ምጽኣት ንዝፍጸም ክውንነት ድማ፣በብዘመኑ ንሱ ንክጸሓፍ እንተፈቒዱ ክትቅበሎ ፍጡራዊ ግቡእ ኢዩ። ገለ ገለ ሰንከፍ ሕልና ዝውንኑ ወገናት እዜን ጥራይ ኢየን መጽሓፍ ቅዱስ፣እዚኤን ጥራይ ኢየን ሓሳብ እግዚኣብሔር፣ ኢሎም ዝሽርምሙን ዝቆራርጹን ኣሎዉ።ንሱ እቲ ፈጣሪ ግን፣<<ማቴ28፣ 20 እነሆ ኣነ ድማ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ምሳኻትኩም ኣሎኹ፣>> ኢሉ ዘተስፈወ ቅዱስ መንፈሱ እሙን ቃል ኪዳን እረ ዘይታኸስ ጎይታ ምኻኑ ተረዲእካ ስራሑ ብሰንኪ ስንፍና ሕልናኻ ንስራሑ ደው ከተብሎ ኣይግባእን።፣ኩላቶም ኣብ ዘመነ ብሉይ ዝነበሩ ቅዱሳን ናቱ ተኸተልቲ ብናቱ ደገፍ ዝነበርዎ እሙን መንፈሳውነት ክሳብዚ ሕጂ ሓድሽ ኪዳን፣እረ ክሳብ ምጽኣት ንዘሎ ክዉን መንፈሳውነት፣ መንፈስ ቅዱስ ካብ ቅዱስ ስራሕ ምስራሕ ደው ክሳብ ዘይበለ፣ናቱ ኣገልገልቲ ብፍታዉ ፈጣሪኦም፣ንዝጸሓፍዎም መጽሓፍቲ፣ሓቅነቶም እታ መርዓቱ ቤተክርስትያን መመርሚራ ንደቁ እንዳኣእንገደት ትነብር ኣላ።እግዚኣብሔር ሕልናናን ኣእምሮናን ተቖጻጺሩ ንዑኡ እትስዕብ ካብ ፍትወተ ስጋ ሓራ ዝወጸት ሓዳሽ ልቢ ይፍጠረልና። ኣሜን።
ስብሀት ለእግዚብሔር ዘተከስተ ለነ በሰናየ ፈቃዱ፣
ስብሀት ለቅድስት ድንግል በክልኤ ማርያም እንተ ኣምጽአት ለነ ህብስተ ሰማያዊ፣
ስብሀት ለመስቀለ ክርስቶስ ኣምላክነ እለ ኮነ ሐይለ ትእምርት።

fredag 22. desember 2017

ውሽጣዊ ቃንዛ ናይ ሓንቲ ስድራ ቤት ኣብ ኤውሮጳ፣

Bilderesultat for mother is crying
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን
መንፈሳዊ ሓጺር ልበወለድ።
ጽሓይ ደመናን ጣቓን ጽዒቕዋ እንክትመስል፣ብውሽጢ ውሽጢ ከምዝተሸጎጠት መርዓት መሲላ፣ ብርሃና ደጊሑ ብፍኒስትራይ ትረኣየኒ ኣላ።ድሮ ሰዓት ሸሞንተን ፈረቓን ስለዝኣኸለ፣ቴለፎነይ ሚስኮል በዚሕዎ ፣ጥውቕ እንክተብላ፣ኩላ ኣካላ ቀይሕ መይሕ ጥራይ ኢያ ተርእየካ።የዕሩኽተይ ኢዮም።ናይ ትምህርቲ ሰዓትና ስለዝኣኸለስ ብዘይምምጻአይ ኢዮም ተሻቒሎም።ብፍላይ ዓርኸይ፣ማራ ስለተፍቅረኒ፣ነዛ ቁሩብ ክፍለያ ኣይትደልን ኢያ።ብዙሕ ግዜ ዕዮ ገዛ ኣሎና ኢለ ንማማየይ እንዳኣማኸነኹ፣ምስ ኣፍቃሪተይ ዝወዓልክሉ ግዜ ብዙሕ ኢዩ።ኣፍቃሪተይ እትብል ዘረባ ንማማ ብጣዕሚ ኢያ እተሕምማ።ኣነ ዝገርመኒ ናይ ማማየይ ነገር፣እዚ ኩሉ ኣብ ትምህርቲ ዓለም ዘሕለፈቶ ዓመታት፣ብዘይ ዓርኪ ብድንግልና ከምዝነበረት ክትነግረኒ እንከላ ድንጹው ኢዩ ዝብለኒ።ነዚ ንምርግጋጽ ንባባኻ ሕተቶ ትብለኒ።ሓደ ግዜ ንባባ ብጎቦ ጎቦ ገይረ ሓቲተዮ ነይረ።ማለት ማማ ብድንግልና ከምዝነበረት ነጊሩኒ።እዚ ክብሎ እንከለኹ፣ብዛዕባ ዓርኪ ምሓዝ ስለዝሓተትክዎ፣ንሱ ዓርኪ ከምዘይነበረቶ፣ንማማ ብዘይ ዓርኪ ብድንግልና ከምዝነበረት፣ ርግጸኛ ኮይኑ ስለዝነገረኒ ብጣዕሚ ኢዩ ገሪሙኒ።
ሓደ ሓደ ግዜ ኣብቲ ቤተክርስትያን፣እቲ ዝምህረና ድያቆን፣ክሰምዖ እንከለኹ እካ ከምዚ ላግጺ ኮይኑ እንተተሰምዓኒ፣ኣብ ገዛ ማማየይ ክትደግመለይ እንከላ፣ማለት፣ዝሙት ቅድሚ መርዓ ዝግበር ምስ ኣንጻር ጾታ ርክብ፣ብሕጊ ፈጣሪ ኣዝዩ ኣነዋሪ ምኻኑ ትነግረኒሞ፣ኣዝየ ኢየ ዝፈርሕ።ዋላ ኣብዚ ናይ ኖርወይ ሕጊ፣ዘይሕጋዊ ዝኾነ ርክብ ምስ ኣንጻር ጾታ ይምሁሩና በንጻሩ ድማ ኣፍቃሪት ( ሻረስተ) ምሓዝ ጸገም ከምዘየብሉ ክዛረቡ ክሰምዖም እንከለኹ፣ዘረበኦም ይዳባለቐኒ።በዚ መሰረት ኣብ ክልተ ተቐርቂረ ይነብር።ብፍላይ ምስ ኣፍቃሪተይ ክራኸብ እንከለኹ፣ናይ ማማየይ ዘረባ ስለዝዝክር፣ወትሩ ስግኣተይ ብደገ ንኣፍቃሪተይ ስለዝንበበላ፣ኣፍቃሪተይ ከምድላየይ ክኸውን ከምዘለኒ፣እዚ ናይ ቀደም ባህሊ፣ሳክት ዘይጠቅም ምኻኑ፣ኖርወይ ከምዚ ዓይነት ቅድሚ 60 ዓመታት ከምዝነበረ ሕጂ ግን ከምዝኣረገ ትነግረኒሞ፣ኣብ ክልተ ይቕርቀር።ኣፍቃሪተይ ኖርወጅያዊት ኢያ።ንማማየይ ኣይነገርክዋን፣ስለምንታይከ ክነግራ፣ማማየይሲ፣ኣሽንካይ ዶ ኖርወጅያዊት ዓርኪ ሒዘ ክብላ፣ዋላ ናትና እምነት ዘለዋ ጛል ዓርኪ ኣላትኒ ተዝብላ ፍጹም ከምዘይትቕበሎ ይፈልጥ ኢየ።ምኽንያቱ ኣብ ሃይማኖት ዘለዋ ንጻሬ ኣዝዩ ልዑል ኢዩ።ምላልባሽ ድሕረት ስለዝዓብለላ ኢዩ፣ከይብል፣ብትምህርቲ ዓለም ኣዝያ ዝበሰለት፣ኣነ ኣብቲ ንሳ ዝበጽሐቶ ደረጃ ትምህርቲ ንምብጻሕ ገና ብሕጂ 20 ዓመታት ከምዘድልየኒ ኣዳዕዲዐ ይፈልጥ ኢየ።ስለዚ ኩሉ ንሳ ትብለኒ፣ኣነ ኮፍ ኢለ ክመሃር እምበር፣ብዝኾነ ዓይነት መለክዒ ኣይቅድማን ኢየ።ሃይማኖት ክትምህረኒ እንከላ ብጣዕሚ ኢያ ትምስጠኒ።ብኹሉንትንኣ ንባባይ ትበልጾ ኢያ።ባባ ብዜይካ ንሓሳባቱ ምርዳእ እንተኣቢኻዮ ሓይሊ ወሲኽካ ምፍርራህ ካልእ ፍጹም ኣይመሃረንን።ብዙሕ ታሪኽ ዝፈልጥ ኢዩ ዝመስል።ኮፍ ኣቢሉ ብዛዕባ መንነቱን ዓዱን ግን ክምህረኒ ኣይከኣለን።ይንዕቀኒ ድዩ ዋላስ ቆልዓ መሲለዮ ኣይፈልጥን ኢየ።ብውሕዱ ግን እታ ዝፈልጣ ናይ ኣባታዊት ፍልጠቱን ጸግኡን ከካፍለኒ ከምዘለዎ ናይ ወትሩ ቅሬታይ ኢዩ።
<< ሓንቲ ግዜኸ ዘይኣኽሎም፣ኣንታ ሎምስ ክላስና ብምልኦም ኢዮም ደዊሎም መስለኒ።>>ኣፍቃሪተይ ዝጸሓፈቶ ጽሑፍ ከኣምበር እነሀለ።(( ፍቕረይ፣ብዘይብኣኻ ትምህርቲ ክላስ ኣይደልን ኢየ።))ግደፍናስከ ንስኺ፣ኣነ ናይ ማማይ ልቕሶ ኣጨኒቕኒ ኣሎ።ማማየይ መብከይኣ ከይፈለጥኩ ሎም መዓልቲ ካብ ገዛይ ናብ ዋላ ሓደ ኣይከይድን ኢየ።ማማየይ፣እንታይ ኮይና ትበኪ ኣላ፣መን ሃሪምዋ፣ናፊቓዶ ትኾውን፣ምኻን ናፍቖትሲ ግድን ኢያ ክትናፍቕ።ድሮ ኣብ ስደት ዓሰርተ ክልተ ዓመት ዛዚማ ኣላ።ኣነ ኣብ ማህጸና ተጠኒሰ እንከለኹ ኢየ ሒዛትኒ ንስደት ብሳህራ ገይራ ናብዚ ኖርወይ ኣምጺኣትኒ።ልደተይን፣ናይ ኖርወጅያን ፍቓድ መንበርን ብሓደ ግዜ ከምዝተዋህበት ነጊራትኒ ነይራ።ኣነ ሕጂ ድሮ ወዲ 11 ዓመት ኮይነ ኣሎኹ።ምኻን ናፍቖት ተዝኾውን ነይሩስ፣ምነገረትኒ።ባባዶ ሃሪምዋ ይኸውን!<< ማማ፣ንገርኒባ፣እንታይ ኢኺ ኮይንኪ፧>> እንታይ ኢየ ዝገብሮ ደቀይ!ኮ ኮ! ሃርምዋ ክኸውን ኣሎዎ።ባባ፣ንዝኾነ ነገራት ብሓይሉ ጥራይ ኢዩ ዝደልዮም።ኣብዚ መቸም ኣብዚ ዓዲ ከምኡ ኣየዋጽኦን ምኻኑ ስለዘይፈለጠ ኢዩምበር ተዝፈልጥሲ ከምኡ ኣይምገበረን።
ንዓይ ብዙሕ ግዜ ክሃርመኒ ወስ ዝበለሉ ግዜ ኣሎ።እንታይሞ፣ኣነ ንፖሊስ ጸዊዕካ ኩሉ ገበናቱ ከምዝርድኦ ምግባር ጠፊእኒ ኣይኮነን።ግን ማማየይ፣ንባባ ከጋልጾ ከምዘየብለይ፣ዋላ ክሃርመኒ እንተሓሲቡ፣ክርሕቐሉ እምበር፣ክዳፈሮ ከምዘየብለይ ወትሩ ትነግረኒ ኢያ።ሓደ ግዜ መግቢ እንዳበላዕኩ እንከለኹ፣ገለ ኣምጻለይ ኢሉ ለእኸኒሞ፣ኣነኸኣ ደኺመን ብካልእ ኣብ ደገ ምስ የዕሩኸት ሓሪቐን ስለዝነበርኩ፣ዕሚም ኢለ።ክርደኣለይ ነይርዎ ባባ።ኣልዕል ኣቢሉ፣ብዝሓዛ ወስ ስለዝብል ግን ኣብ ጥቕኡ ስነበረት ፋርኬታ ገይሩ ገሰመኒ።ዝገርመኒ፣እታ ፋርኬታ ብማዓኮራ ስለዝሃረመትኒ እምበር፣በቲ በሊሕ ጫፋ ሃሪማትኒ ተትኾውን፣ኣብ ከብደይ ምተሸኽለት።ኣነውን ረቂቕ ካምቻ ጥራይ ገይረ ስለዝነበርኩ ኣብ ሓደጋ ምወደቕኩ ነይረ።መምህረይ ድማ ግድን ሓቃ ከውጽኣ ምሓተተትኒ ነይራ።ሽዑኡስ ዋላ ንመምህረይ ተዝሕስወላ፣ገለ ጥርጣረ ምገበረት።ከመይ ኢለኸ ምሓሰኹ!ማማየይ፣ክሕሱ ከምዘየብለይ ኢያ ትምህረኒ።ኣብ ኖርወይ ድማ ምሕሳው እቲ ቀዳማይ ገበን ኢዩ።ሓድሽ ስለዝኾነ ኢዩምበር፣ሕጊ ነርወይ ተዝፈልጦስ፣ብጣዕሚ ህጻናት ኣብዚ ዓዲ ዘለና ክብረት ምተረደአ ነይሩ።
ሕጂ ናብዚ ዓዲ ካብዝመጽእ ካልኣይ ዓመቱ ኢዩ።ማማ ስራሕ ሰሪሓ ገዛ ስለዝገዘአት ኢያ፣ባዕላ ኣምጺኣቶ።ምኻን ክብሪ ህጻን እካ ይርድኦ ይኸውን ኢዩ፣እታ ኣባይ ዘላቶ ፍቕሪ ንምግላጻ ኢያ ሸጊራቶምበር።ኖ ኖ ኣይሸገረቶን፣ንሱ በቲ ዝዓበየሉ ዓይነት ኣገላልጻ ገይሩ ፍቕሩ ክገልጸለይ ስለዝፍትን ኢዩ።ስለምንታይ እሞ ሕርቕ ሕርቕ ይብል! ሕርቃንሲ ምልክት ስዕረት ኢዩ፣ኢሉ ድያቆን ዝመሃረና ወትሩ ትዝከረኒ ቃል ኢያ።እወ ክሓርቕ ኣይነበሮን ባና።ተሓረቐ ድማ ንሕርቃኑ ዘዘሓሕሉ ቃላት ክመርጽ ነይርዎምበር፣ኢዱ ወስ ክብል፣እረ ወስ ምባል ውን ኣይተጸለአን፣ኣብ ምንታየይ ይሃርመኒ ከስተውዕል ነይርዎ።ብፍላይ ንማማ ክሃርማ እንከሎ ሓደ ግዜ ርእየዮ፣ብጣዕሚ ኢየ ሰንቢደ።ሰብዶ ኣይኮነትን! ኣብ ሃይማኖትናኸ ንሰበይቲ ህረማ ዝብል ኣሎ ድዩ! ብፍጹም።ኣነስ ድሓን ንእሽቶ ስለዝኾንኩ ከማዛዝን ዓቕሚ ስለዘየብለይ፣እንተፋራራሓን እንተገንሓንን ኣእምሮይ ክሳብ ዘይበሰለ ኢዩ።ማማየይ ግን ብኣታሓሳስባ ይኹን ብሃይማኖታዊ ብስለት ብኩሉንትነኣ ትበልጾ ኢያ።ክሃርማ ዘይኮነስ ክረዳድኣ ነይርዎ።ሽዑኡ መዓልቲ ምስ ሃረማ ብጣዕሚ ኢዩ ተሰሚዕኒ።ማማየይ ነዚ ቃንዛ ተጻዊራ፣ኣነ ካብቲ ነገር ከርሕ ከምዘለኒ በተን ናይ ወትሩ ገናሕቲ ዝኾና የዒንታ ገይራ ጠቒሳትለይ።ውሽጠይ ብሕንቕንቕ እንዳተበለዐ፣ማማየይ ድማ እንዳልቀሰት ገዲፈያ ከይደ ነይረ።
ስለዚ ሕጂውን ባባዶ ሃሪምዋ ይኸውን፣ክድውለሉ ዶ!ምኻን እቲ ፕራክሲስ ዝገብረሉ ዘሎ ቦታ ስራሕ እንተጀሚሮም፣ክቕበለኒ ኣይክእልን ኢዩ።ስራሕ ገለ ተረኸብኩ ኢሉ ፕራክሲስ ስለዝኸይድ፣ተሌፎን ምስ ዝቕበል ኣብቲ ስራሕ ብሕማቕ ዓይኒ ክረአ ኣይደልን ኢዩ።ኣብ ቃንቃውን ኖሽክ ብዙሕ ኣይኮነን፣ገና ተልሜደን ኢዩ።

ለይቲ ከባቢ ሰዓት 4 ኣቢሉ ይኸውን፣ ኣብታ ናይ በይነይ ክላስ ደቂሰ እንከለኹ፣ብዙሕ ክትዕን፣ክርክርን ዝሰምዕ ዝነበርኩ ይመስለኒ ነይሩ።ምላልባሽ ሕልሚ መሲልኒምበር፣ለካ ባባን ማማንዶ ይኾኑ ይከራኸሩ ነይሮም።ኣነ ዝፈልጠሎም ወትሩ ዝከራኸርሉ ነገር ኣሎዎም።ባባ ቅዱስ ቁርባን እትብል ቃል ክሰምዕ እንከሎ፣ ርእሱ ኢዩ ዝሓምም።እታ ቤተክርስትያን ምኻድውን፣ዘይትኸውን ኮይናቶ ማለት፣ኣነ ምዕራባውነት ከይዕብልለኒ ንዓይ ክብል ኢዩምበር፣ስለነብሱስ ፍጹም ኣይሓስብን ኢዩ።ኣነ ትገርመኒ ነገር ኣላ።ስለምንታይ ኢዮም ንዓይ ቁረብ እንዳበሉ፣ማማን ባባን ግን ዘይቆርቡ!ነዛ ሕቶ ሓንቲ ግዜ ንባባ ሓቲተዮ ነይረ።ነዛ ክበልዓኒ ንእሽቶ ተሪፋቶ።ባባ እዚ መንፈሳውነት፣ናይ ፈራሓትን ድኹማት ጉዕዞ ኢዩ ዝብሎ።ብዙሕ ግዜ ንባባ ተዓዚበዮ ኢየ።ንሱ ዝሰምዖ ድምጽታት ናይ ፖሎቲካዊ ነገራት ኢዩ።ፓልቶክ ከፊቱ ናይ ዝተፈላለዩ ፖሎቲካውያን ማስሜድያታት ክሰምዕ ርእየዮ ኣሎኹ።ባባ ቅድሚ ምምጽኡ፣ኣብ ገዛና ወትሩ እትውላዕ ዝነበረት፣ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ፓልቶክ ኢያ።ንዓይ ናይ ዝማሬ ኣፈይ ዘጽረየትለይውን ንሳ ኢያ።ማማ ኣብቲ ፓልቶክ ከም ኣድሚን ኮይና ክሳብዛ ባባ ዝመጽእ ሰሪሓ ኢያ።ሕጂ ግን ኣብ ገዛና ፖልቶክ ናይ ቤተክርስትያን ንኸይውላዕ ባባ ስለዝተጻብኣ ማማየይ ተሓቢኣ ኢያ ትሰምዕ።ባባን ማማየይን ንከይቆርቡ ድማ እቲ ጠንቂ ባባ ስለዝኣበያ ምኻኑ ካብ ክርክራቶም ተገንዚበ ኣሎኹ።
ምስ ማማየይ ዘሎ ዓቕሊ ብጣዕሚ ኢዩ ዝገርመኒ።እዚ ኩሉ ዝኣክል ትምህርቲ ስጋውን መንፈሳውንሲ፣ባባ ከጛጥጠላን ከፈራርሓን እንከሎ፣<< ድሓን ጽባሕ ንግሆ ዝምለሰሉን ዝጠዓሰሉን ግዜ ኣሎ>> ኢላ ኢያ ብዓቕሊ ትጽበዮ።ንዓይ ንኸየቃልዖ ወትሩ እትኽልክለኒ ድማ ክሳብ ዝርድኦን፣ናይዚ ዓዲ ሲስተም ክሳብ ዝፈልጦን ብዓቕሊ ንጸበዮ በሃሊት ኢያ።ንዓይ ወትሩ ብዓይና ኢያ ትወቕሰኒ።ስለዚ ክሃርመኒ ወስ ኣብዝበለሉ፣ወይ ምስ ማማ ዝኾነ ዓይነት ዘይምርድዳእ እንተተኸቱ ሃዲመ ክኸይድ ከምዘለኒ ወትሩ ትነግረኒ።
እዋእ እንታይ ደኣለይ ዝገብሮ።እቲ ናይ ሳህራን ባሕርንዶ ደኣ ተዘኪርዋ ይኸውን።ኣብ መገዲ ከቢድ ሽግር ከምዘጋጠማ ስለዘዕለለትኒ ኣዝዩ ኣሰምባዲ ነገር ኢዩ፣፣ብኽብደት ኣሰምባድነቱ ድማ ኣነ ወትሩ ይብህርር ኢየ።ከምዚ ዓይነት ግፍዕታትን ሽግርን ብፊልም ብፍላይ ኣነ ኣብዚ ካርቱን ጥራይ ኢየ ኣብዚ ኤውሮጳ ዝከታተል።ብጣዕሚ ክትሰምዖ ዘሰቅቕ ሽግራት ከምዘጋጠማ ትነግረኒሞ፣ኣብ ጉዕዞ ሂዎተይ ክንድምንታይ ጥንቃቐ ክገብር ከምዘለኒ ወትሩ ንነብሰይ መብጽዓታት ይገብረላ።እዚ ናይ ምዕራባውያን ኣካይዳ፣ገለ ገሊኡ ጥቕሚ ዘለዎ እካ እንተሃለወ፣ንመንነተይን ሃይማኖተይን ዝብርዝ ነገራት ግን ወትሩ ክቃወሞን ክቃለሶን ከምዝግባኣኒ ወትሩ ንነብሰይ ከእምና ይፍትን ኢየ።ምስዛ ዓርከይ ዘለና ርክብ፡ ንሳ ኢያ ትፈትወኒ እምበር ኣነ ምስቲ ወትሩ ኣብ ቤተክርስትያንን ኣብ ገዛናን ዝቐስሞ መንፈሳዊ ትምህርታት፣ምሉእ ልበይ ንክህባ ኣይድርኸንን ኢዩ።ለካ ንማማየይ እዚ ናይ መንገዲ ሽግራት ተዘኪርዋ ክኸውን ኣሎዎ።ንሱሞ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ፣ፐርከስ ምነገረትኒ።ከመይ ኢላሞ ስራሕ ከይከደትከ፣<<ኣንቲ ማማየይ ንገርኒባ፣>> ኦይ ናብ ፖሊስ ክድውል ኣሎኒ።ኖ ኖ፣ፖሊስሞ ፈጺምካ ዘይሕሰብ ኢዩ።ምኽንያቱ ናይ ገዛና ሽግር ፖሊስ ክፈልጡላ ኣይትደልን ኢያ።በቃ ንሕክምና ክድውል ኢየ።ኦምቡላንስ።ኤእ፣ንሳቶምከ ንፖሊስ ይሕብሩዶ ይኾኑ።መምህር ስለምንታይ ትምህርቲ ዘይመጻኻ እንተኢሉኒ፣በረድ ኮይንኒ ስኖው በዚሑ ክብሎ ኢየ።ኦይይይ ከመይ ኢለ ክሕሱ።በቃሞ ንመምህረይዶ ክድውለሉ።ገደደ፣ንሱ ከኣሞ ናይ ማማይ ምብካይ እንተርእዩ ግድን ንፖሊስ ክነግር ኢዩ።ድሕሪኡ እቲ ነገር ንገዛና ሓደጋ ክወርዶ ኢዩ።ክፋትሑ!ፍጹም።በቃ ሎምዓልቲ ትምህርቲ ምኻድ የለን ማለት ኢዩ።
ወስብሀት ለእግዚኣብሔር።

lørdag 9. desember 2017

ንዝናን ተፈላጥነት ምድላይ፣ ብዛዕባ ጽልእን ፍቅርን ድማ ሕቖ ኣድጊ ኮይንካ ምንባር፣ ዝምልከት ኢዩ ሰናይ ንባብ።

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።
ቃለ ሂዎት የስምዓልና፣ዝብል ምርቓምበር ጭብጨባን፣ዓሽን ዓሽ ዓሽን ኣይኮነን።እሞ ሰባት መታን ከጣቕዕልካ ኢልካ ኑኡድነትካ ምብታን ሕስረትካ እንዳጸዋዕካ ምኻንካ ኢኻ።ምኽንያቲ እቲ ክንእደካ እትምነዮ ዘለኻ ሰብ፣ገና ናእድኡ ከይጀመረ፣ኣብ ጅማሬ እንከለኻ፣ ተግባራትካ ኣብ ቅድሚ ፈጣሪኻ ምዙናት ኢዮም።ኣብ ስደት ብፍላይ ኣብ ኤውሮጳውያን ዘስተውዓልክዎም ነገራት ኣሎዉ።
ጸዓዱ ንዝሰምዕዎ መደረ፣ሓሲቦም ከጣቕዑ፣ብኻልእ ኣጋጣሚ ድማ፣ኣፍሪቃውያን፣ድሕሪ ጨብጨባ ክሓስቡ ተገንዚበ ኣሎኹ።እቲ መዳሪ መደርኡ ምስ ወደአ እዚ ዘይበሃል ድሙቕ ጣቒዒት መጢኻ ከተብቅዕ፣<< እንታይ ኢዩ ዝበለ ፧>> ኢልካ ድማ ክትሓትት ትስማዕ ኣሎኻ።
ብኻልእ መንጽር ድማ፣ጻዓዱ፣ንዝኾነ ሰብ ፍሽኽታ ኣይትኽልኣዮ በሃልቲ እንክመስሉ፣ዋላ ክትብድሎም እንዳመጻኻ ፍሽኽ ይብሉ።ኣፍሪቃውያን ድማ፣ውሽጣዊ መንነቶም ብደገ ጎሊሑ ይግለጽ።እንታይ ይመስለኩም፣ውሽጥኻን ደጌኻን እንተዘይተመሳሲሎም፣ክልተ ሰብ እንዳኾንካ ትነብር ኣሎኻ ማለት ኢዩ።ውሽጥኻ ጸሊእኒ እንዳሃለወ፣ኣፍካ እንተወደሰኒ፣እረ ካባኻስ እቲ ብካራ ክሓርደኒ ዝወጣወጥ ዘሎ ሰብ ይሕሸኒ።ንሱ ብቐንዱ ኣዳዕዲዑ ክሓርደካ ይመጽእ ኣሎኹ ኢዩ ዝብለኒ ዘሎ።እቲ ዝፍሸኸኒ ዘሎ ግን ኣብ ውሽጡ ኣውቶማቲክ ካራ ዓጢቑለይ ስለዘሎ፣ኣነ ከምልጥ ይኹን፣ናይ ምድሓን ዕድል የብለይን።
ክርስትና ግን ንኹሉ ኣፍቅር ብዝብል መምርሒ ስለዝተመስረሐ፣ከም ክርስትና ክትነብር ፈትን።ሰብ ይጽላእካ ይፍተኻ ብዘየገድስ፣ሓላፍነትካ ግን ንኹሉ ምፍቃር ይኹን።ምፍቃር ዝበሃል ዘሎ፣ልብኻን ኣፍካን፣ሕልናኻን፣ደጌኻን ኣሰማምዓዮም ማለት ኢዩ።ልብን ኣፍን ሕልናን ትግባረን ክልቲኤን ከፍቅራ ኣሎወን ማለት ድኣምበር፣ኣፍካ ጥራይ ፍሽኽታ ምምጣው ዕጋበት ኢዩ ማለት ኣይኮነን።እረ ካብዚ ደጌኻን ውሽጥኻን ዘይሰማምዕሉ ዓይነት ፍቕሪ ዝኸፍእ ስቅያት የለን።ተስተብህሉዶ ትኾኑ፣ ገለ ገለ ሰባት ፍሽኽታ ክህቡኻ ይጸንሑሞ፣ውሽጦም ከምዝጸልኡኻ ካብ ገጾም በጨቕ ኢሉ ክስዕሮም እንከሎ፣ንምክልኻሉ ይፍትኑ ግን ሓይሎም ይልሕልሕ።ስለዚ ይሽገሩ ከምዘለዉ ብርሑቕ ይንበቡ።እሞ ካብ ውሽጢኻ ጸሊኡ እንከሎ ፈታዊ ክትመስል ምፍታን፣ጸላኢኻ ኢየ፣ኢልካ መለኸት ምንፋሕዶ ኣይበልጽን።በንጻሩኸ ነዚሰብ እንክትጸልእሲ፣ ዘሕለፍካሉ ነገር እንታይ ስለዘሎ ኢዩ፧ምላልባት ንሱ በዲልካ ይኸውን ኢዩ።
ክገርመካ ንዓኻ ዝበደለካ መሲልካ እምበር፣ንስእሊ ፈጣሪ ኢዩ ቀዲዱ።ንስርሓት ፈጣሪ ኢዩ ኣበላሽዩ፣ፈጣሪ ንዘዳለዋ ክብርቲ ንብረት ኢዩ ኣባላሽይዋ።እሞኸ ብሰንኪዚ፣ እታ ንብረት ድያ ክትጉሂ ዝግባኣ፣ዋላስ እቲ ነታ ንብረት ዝሰርሓ፧ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ቀባኢ ነይረ።ኣብቲ ግዜቲ፣ስእለይ ዝተንከፈለይ ሰብ ብብርቱዕ ቁጠዓዊ ዓይኒ ይርእዮ ከምዝነበርኩ ይዝከረኒ።ኣብዚ ግንዛቤኹም እንታይ ኢዩ፧ሰራሒ ኢዩ ሰንኪ ፍርሰት ስርሓቱ ክጉሂ ዝግበኦምበር፣ስሩሕ ሰሪ ፍርሰቱ ክጉሂ ኣይግበኦን ኢዩ።ንስኻ ስለዝተበደልካ፣ልብኻ ብበደል ስለዝፈረሰ፣ኣብ ልዕሊቲ በዳሊ እትብሎ ዘለኻ ሰብ ክተግረምርም እትህንደድ ዘለኻስ፣ንስኻ ስሩሕ እምበር፣ሰራሒ ኣይኮንካ።ተሰሪሕካ እምበር፣ንነብስኻ ባዕልኻ ኣይኮንካን ሰሪሕካያ።ስለዚ ዝተበደልካ መሲልካ እምበር፣ንዓኻ ዝብድል ፈጺሙ የለን።ምኽንያቱ ንስኻ ካብ ፈጣሪ ዝተመንጨኻምበር፣ባዕልኻ ዝመንጨኻ ኣይኮንካን።
ወገነይ ነኣዳይ ዲኻ፣ነቲ ክትንእዶ እትደልዮ ሰብ፣ክትንእዶ እንከለኻ፣ንናእዳኻ መታን ክንእደልካ ተኾይኑ ዘይክትንእድ ይሕሸካ።ምኽንይናቱ እዚኣ ውሽጣዊት ቢዝነስ ኢያ ትኸውን ዘላ።ክትነኣድ ተደሊኻ ድማ፣ብፈጣሪኻ ክትነኣድ ድለምበር፣ፍጡራን ከማኻ ዘየንጭብጨቡለይ ኢልካ፣ኣብ ክሳድካ ገመድ ኣይትስቀል።ንፍጡር ከማኻ ኣዚኻ ኣኽብሮ፣ምኽንያቱ ከማኻ ፍጡር፣ኣብዛ ዓለም ናይ ምምባር ዕድል ዝተዋህበ ከማኻ ተቐማጢ ክሳብ ዝኾነ፣ዘሕለፍካሉ የብልካን።ንሱ ድላዩ ክኣምንን ክኽተልን ይኽእል ኢዩ።ንስኻ ግን ተኸኣልካ ክትሕግዞ ደኣ ፈትንምበር፣ክተጽድፎ ናብ ገደል ዘይጸደፈለይ ኢልካ፣ድቃስ ለይቲ ክትስእን፣ ትረብሖ ረብሓ ቁንጣሮ እካ ኣይኮውንን።
ስለዚ ንስኻ ናብዛ ዓለም ብግሽነት ዝመጻኻ ፍጡር ምኻንካ እመን።እቲ ኣፍቅሮ ተባሂልካ ባኢድ ሕልናኻ እትእዘዞ ዘለኻ ሰብ ድማ፣ከማኻ ኣብዛ ዓለም ብስደት ዝነብር፣ካብ ፈጣሪ ናይ ምምባር ቪዛ ዝተዋህበ ፍጡር ሓውኻ ኢዩ።ምላልባሽ ንፈጣሪየይ ኣቃሽሽለይ ኢልካ ክትጉሂ ትኽእል ኢኻ፣ጋሂኻ ፍትሓዊ ክኸውን እንተኾይኑ ግን ፍጽምቲ ፍቕሪ ክትምጥወሉ ምስትኽእል ኢዩ።ኣብ ልዕሊኡ ኢድካ ከተዋጣውጥ ግን ፈጣርነታዊት ዙፋን ከም ምምናይ ኢያ።
ወስብሀት ለእግዚኣብሔር።

ኣነ ግዳ ውሉድካ ንክናኣናዊት'ኳ ዝመሓርካ...

 በስመ ሥላሴ ኣብራም'ዩ ግብረይ ኣብ ካራን ምንባረይ ሃብታም'ዩ ሰፈረይ ብዘመናዊ ስራይ ኣብኡ'የ ዝወድቕ ይሃጥር ብስጋይ ሓሽከት ሓጣውእ ይበራረዩለይ ገንዘብ ሶዶም ክኸስብ ገንዘብካ ይስእኖ እናሻዕ ይንኖ...