በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ።
ሎሚ ቅዱስ ኣቦና ያሬድ ማህሌታይ ብዝሰርዖ ሰማያዊ ስርዓት መሰረት፣ቅድስት ቤተክርስትያን ኣብ ጾመ ኣርብዓ ካብ ዝርከባ ሸሞንተ ሰናብቲ፣እታ ቀዳመይቲ ሰንበት ኮይና ዘወረደ ተባሂላ እትስየም መጀመርታ ናይ ጾመ ኣርብዓ ኢያ።
ዘወረደ እንታይ ማለት ኢዩ፣-
ዘወረደ ማለት፣ወረደ፣ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ መጸ፣ካብ ርቀቱ ተገልጸ፣መሎኮታዊ ባህሪኡ ከይለቐቐ ስጋና ንክወሃሃድ ፍቓደኛ ኮነ፣ንዓና ንደቂ ሰባት ናብቲ ዝነበርናዮ ክብሪ ቅድስና መታን ክመልሰና ናባና ብምምጻእ ስጋና ንምልባስ ወረደ ዝብሉ መንፈሳዊ ትንታኔታት ዝወሃበሉ ነዊሕ ኣስተምህሮ ብዛዕባ ምስጢረ ስጋዌ ብፍላይ ኣብ ነገረ ድሕነትና ኣተኪርና እንመሃረሉ ስም ኢዩ ዘወረደ።ወረደ ክበሃል እንከሎ፣ኣምላኽ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ተንቀሳቒሱ ንምባል ኣይኮነን።እግዚኣብሔር ብህልውንኡ ምሉእ በኩሉሄ ኢዩ፣ኣብ ኩሉ ምሉእ ክንሱ ግን ንዓና ኣብ ዛዓለም ንእንነብር፣ናብቲ ንቡር ቦታና መታን ክመልሰና ተወሃሂዱ ከድሕነና ፈተወ ማለት ኢዩ።መጽሓፍ ቅዱስ ክጠቅስ እንከሎ፣<< ኦ እግዚኣብሔር ሰማያት ጨንዲሕካ ንዓ ውረድ፣ነኽራን ተንክዮም እሞ፣ትኪ ኽተፍኡ ኢዮም።መዝ 144፣5>> ይብለና።ኣብ ካልእ ክፍሊውን፣
<< ኣየ ሰማያት ጨንዲሕካ እንተ ትወርድ፣ኣኽራን ንኣኻ ርእዮም ብፍርሂ መንቀጥቀጡ።ኢሳ54፣1>> ይብል።እግዚኣብሔር ንህዝቡ ካብቲ ዝነበርዎ ውድቀት ንከተንስኦም፣ንሱ ንውድቀቶም ለቢሱ ብዘይካ ሓጢኣት ንበይና ክሳብ ሞት ክቐምስ ነይርዎ።ቅዱሳን፣እግዚኣብሔር ካብቲ ንዓለም ዝፈጠረሉ፣እቲ ንዓለም ንምድሓን ዝተጠቐመሉ ጥበብ ይበልጽ ይብሉ።ቅዱሳን ነብያት ሰማያት ጨንዲሑ ንክመጽእ ዝተነበዩ፣ከምቲ ባዕሉ ዝበሎ፣<< ካብ ጓልጓልካ ተወሊደ ከድሕነካ ኢየ፣>> ዝበሎ ተጸበይቲ ድሕነት ንምኻን ጽንሰቱ፣ልደቱ፣ጥምቀቱ፣ኣርባዓ መዓልቲ ኣርበዓ ለይቲ ምጻሙ፣ኣብዛ ዓለም ን33 ዓመት ምምልላሱ፣ኣምላኽ ክንሱ፣ምእንቲ ፍቕሪ ደቂ ሰባት ክብል ክሳብ ኣብ መስቀል ሙማት ምዕጋሱ፣ናብ መቓብር ምውራዱ፣ካብ መቓብር ምትንስኡ ምዕራጉ ኮታ ኩሉ ናይ ድሕነት ነገር ንምፍጻም እግዚኣብሔር ናብ ደቂ ሰባት ብተዋህዶ ዝተገልጸሉ ምስጢር ንምትንታን ቅዱስ ያሬድ፣ብሓንቲ ቃል ኣመሳጢሩ ገሊጽዎ ይርከብ። "ዘወረደ!!"ብምባል።
"እነሆ ድንግል ክትጸንስ ወዲ'ውን ክትወልድ፣ስሙ ድማ ኣማኒኤል ክትሰምዮ ኢያ፣ኢሳ7፣14" ተባሂሉ ዝነበረ፣ዘወረደ ተፈጺሙ፣ኢሉ ቅዱስ ኣቦና ያሬድ ሰይምዋ።
ስለምንታይ ኢያ፣ኣብ ጾመ ኣርብዓ ኣብ መጀመርታ ከምትስመ ተገይሩ፧
ጾመ ኣርብዓ፣ክርስቶስ ኣምላኽና ባዕሉ ብፍቓዱ ብፍቓድ ኣቡኡ ብፍቓድ መንፈስ ቅዱስ ዝጾሞ ጾም ኢዩ።እዚ ንሕና እንጅምሮ ጾም፣ንሱ ባዕሉ ናብዛ ዓለም ወሪዱ ባሪኹ ዝጀመረልና ምኻኑ ቤተክርስትያን እንዳተረኸት ኢያ።ኣብ ጾመ ኣርብዓ ብጸላኢ ሰናያት ዝተፈተኖ ፈተነ ብፍታዉ ኢዩ፣ንሕናውን ንዝመጹና ፈተናተታት በቲ ናብዛ ዓለም ወሪዱ ከመይ ኢልካ ንፈተነታት ትሰግሮም ዝመሃረና መምህር ድሕነትን፣መድሓኒትን ዝተባህለ ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምኻኑ፣ደጊም ፈተነ እኳ እንተሃለወ፣እቲ ንፈተነ ዘሸንፍ ሓይሊ እግዚኣብሔር ድማ ኣብ ማእከልና ወሪዱ ብመንፈሱ ምሳና ህሉው ምኻኑ እንመሃረሉ ትምህርቲ ኢዩ።
ቅዱሳን ብዛዕባ ናብዛ ዓለም ወሪዱ ንዝፈጸሞም ናይ ድሕነት ከይድታት፣
"ፈቀደ እግዚእ ያግእዞ ለኣዳም ሕዙነ ወትኩዘ ልብ ወያግብኦ ሀበ ዘትካት መንበሩ።እግዚኣብሔር ነቲ ሕዙንን ጉህይን ልቢ ናይ ኣዳም ተመልኪቱ ናብቲ ናይ ቀደም መንበሩ ክመልሶ ፈተወ። ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ፣ዉዳሴ ማርያም ዘሰኑይ።" " ደጊመ ብቅድሙ ዝነበረ ቃል፣ተቀዳሚ ከይሃለዎ፣ዘመናት ከይቀደምዎ፣ካብ ኣብ ኣካል ዘእምኣካል፣ባሕርይ ዘእምባሕርይ ዝተወለደ፣ወልድ ዋሕድ፣ንዓለም ዝፈጠረ ናይ ኩሉ ፍጥረት ህልውና ብኡኡ ዝኾነ፣ብብዝሒ ይቕሬትኡ ንደቂ ኣዳም ይቕሬ ኣብ ዝበለሉ ግዜ ካብ ምልኣቱ ከይተወሰነ ካብ ናይ ኣብ ባሕርይ ከይተፈልየ፣ነቲ ልዑል ባሕርይኡ ትሕት ኣቢሉ ንባሕርይና ከምዝተዋሃሃደ ይኣምን ኣሎኹ። ቅዱስ ቄርሎስ ሃይማኖት ኣበው 94፣10" ቀጺሉ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፍወርቂ፣" ነዚ ዝተነግረ ኣስተውዕሎ፣እግዚኣብሔር ካብ ባሕርይና ዝተዋሃሃዶ ተዋህዶ፣ንእሽቶ ነገር ገይርካ ኣይትውሰዶ።እዚውን ንመላእክት ኣይኮነን ተገይርሎም፣ንናይ መላእክት ባሕርይውን ኣይተዋሃሃደን፣ዝተዋሃሃደስ ናትና ባሕርይ ደኣምበር። ሃይማኖት ኣበው62፣4" ' ቃል ንስግኡ ኣብ መቓብር ኣይገደፎን፣ኣብ ሲኦል ንዝነበረት ነፍሱውን ኣይተፈለያን። ምስ ነፍስን ስጋን ብሓደ ነበረ እምበር፣ንዘልዓለም ኣለም ክብሪ ምስጋና ይብጽሓዮ።ሃይማኖት ኣቦው 61፣29'
ስለዚ ቅድስት ቤተክርስትያን እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንስጋና ከይነዓቐ፣ብፍጹም ተዋህዶ ለቢሱ ናብቲ ናይ ጥንቲ ቦታና ንክመልሰና ፍቓደኛ ኮይኑ ዝወረደሉ ኣስተምህሮ እተማሓላልፈላ ኢያ እዛ ሰንበት እዚኣ ዘወረደ።
እግዚኣብሔር ኣምላኽና ጾምና ናይ ንስሓን ስርየትን ክገብረልና ከምቲ ንሱ ዝደልየና ኮይንና ክንዓቢ ብጸግኡ ይደግፈና።
ስብሐት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን።
mandag 12. februar 2018
torsdag 8. februar 2018
ማስቲካ ዝለመዳ ኣስናን ንብዕሪር ይሕሰማ 2ይ ክፍል
በስመ ስላሴ ተገዲስና ንበረኸት ነንብቦ።ክልተ የዕሩኽ ነዊሕ እዋን ተፈላልዮም ኣብ ዝነበርሉ ግዜዩ።ከም ኣገጣሚ ኮይኑ ኣብ ሓደ ቦታ ይራኸቡ፣እቲ ሓደ ኣስናኑ ትኽ መታን ክብለሉ፣ቡሩራዊ ዝመስል ሓጺን ገይሩ ብክኢላታት ሓካይም ኣእሲርዎ ስለዝነበረ፣ነዚ ርእዩቲ ዓርኩ ዘረባ ጀመረ።እቲ ሓታቲ።
ክንድምንታይ ወርቂ ደኣልካ ንኣስናንካ ሸላሊምካዮም፣
ኖ ወርቂ ኣይኮነን፣እዚ ንኣስናንካ ዘስተኻኽልን ጽርየት ኣስናን ዝሕሉን ንምባል ዝተዳለወ ኢዩ።
ከመይ ገይሩ ደኣ ጽርየት ይሕሉ፣ከይብዕኽኸካባ ኣስናንካ፣
እረ! ባዕኻኽ ኣስናንካ ኣይፈቱ ቆለይ፣
እዋይ ሓወይ፣ቆለ ኣጥሪኻ ማለት ድዩ፣
እወ፣ናይ ኣስናን ጨና ጉድ ኢየ ዝጸልእ፣
እሞ ኣስናንኮ ዋላ ጸዓዱ እንተመሰላ ክጭነዋ ይኻላ ኢየ፣ጽሩይ ኣስናኖም፣ግን ከኣ ጨና ዝገብር ርኢኻ ኣይትፈልጥን ዲኻ፣
እዚኣቶም ክበልዑ እንከለዉ ዘይጉጽጉጽዎ ክኾኑ ኣሎዎም።
ንስኻኸ ትጉጽጉጾዶ፣
ማዓልታዊ እምበር፣
ሓቅኻ ኣሎኻ ምጉጽጛጽን ጽርየትንሲ ዝመስልዎ የለን፣
እዋእ ኣነ፣ዋላ ማይ እንተሰትየ ኢየ ስነይ ዝጉጽጉጽ፣
ማይ ደኣ የርስሕ ድዩ፣
ኣይፋሉን፣ኩሉ ግዜ ስታንድ ባይ ኮይንካ ምጽናሕ ዝመስልዎ የለንምበር፣
ንምንታይ ደኣ ስታንድ ባይ ምኻን ቀዳምነት ተሰሪዕሉ፣
እወ ማለትሲ፣ ጀርምስ ንክኣትዉ መንገዲ ክትከፍተሎም የብልካ፣

ውሽጣውያን ኣስናንካኸ ትጉጽጉጾምዶ፣
ውሽጣውያን ኣስናን፣እንበዓል ከስዐ፣መዓናጡ፣ዛንጡይ ማዓንጡን ማለትካ ዲኻ፣ንዓኣቶም ምስቲ ፋስት ሌገ፣(ናይ ግሊ ሓኪም) ተሓባቢረ፣ቸክ ዝገብረሉ ግዜ ፍሉጥ ኢዩ፣
እዚውን ጽቡቕ ነገር ኢዩ፣ኣነ ዝበልኩኻ ግን ውሽጣዊ ንኣስናንካ ማለተይ ኢየ፣
ዳሕድሓዮንዶ ንምንታይ ጎቦ ጎቦ ትብል፣
እወ፣ፈሪሀካ እንድየምበር፣ውሽጣውያን ኣስናንሲ፣ሓጢኣት ዘኾምስዑ ንሕልና ዝጎድኡ፣ኣንጻር ፈጣሪ ህልኽ ዝገጥሙ ብስጋውያን የዒንትና ዘይረኣዩ፣ረቐቕቲ ኣስናን ኣሎዉና።በንጻሩ ድማ፣ጠጥዑሙ ዝሕይኹ፣ንነብሲ ዝጠቅም ነገር ንምዕንጋል ወትሩ ዝተግሁ መንፈሳውያን ኮራርምቲ ከኣ ኣሎዉና።እዞም ኮራርምቲ እዚኣቶም ወትሩ ችክ ምግባር የድሎም ኢዩ።ፋስት ሌጌ ( ናይ ግሊ ሓኪም) ክህልዎም፣ወትሩ ኩነታት ጥዕነኦም ንምፍላጥ ኣመቶም ምግባር ዝመስልዎ የለን ክብል ስለዝደለኹ ኢየ።ብየእዳውና እንድህስሶም፣ብስጋዊ የዒንትና እንርእዮም ስጋዊ መግቢ ንምሕቓቕ ዝጠቕሙና ስጋውያን ኣስናን እካ ክሳብ ክንድዚ ምክንኻን እንዳድለዮምሲ፣ነቶም ረቀቕትን ውቁባትን፣ንመንፈሳዊ ነገር ንምሕቓቕ ወትሩ ካብ ውሽጦም መንፈሳዊ ሸውሃት ዘለዎም ነዝዕታት እንዳተፍኡ ነቲ መንፈሳዊ መንግቢ ኣብ ነፍስና ዘሕቁቁልና ኣስናንና ድሃዮም ክንፈልጥ፣ጨና ከይህልዎም፣ብንስሓ ክንሓጽቦም፣ጀርምስ ከይለግብዎም ድማ ብጾምን ጾሎትን ክንጸርጎም፣ጽቡቅ ትርኢት ሒዞም ኣብ ቅድሚ ቅዱሳን መታን ክረኣዩ፣ወትሩ መንፈሳዊ ክንክን ክንገብረሎምሲ ኣገዳስነቱ ዝጠፍኣካ ኣይመስለንን።

ቆብ ኣቢለካ፣እንታይ ክትብል ከምዝደለኻ ተረዲኡኒ።ዝገርመንስ፣ማይ ሰትየዉን ይጉጽጉጽ ኢየ ክብለካ ጸኒሐ ነይረ።ገለ መሰልቲ ክምስሉ እንከለዉስ፣<< ሓበሻ ከይሓሰወ እንተውዒሉስ፣ንቑማል ክንዲ ብዕራይ ይገብሮ፣>> ይብሉ።ሓቂ ዩ፣ኣነስ ዘይገብሮ ኢየ ክትንትን ጸኒሐሞ፣ዝያዳ ኣበይ ክዓዪ ከምዘለኒ ኣረዲእካኒ ኣሎኻ የቐንየለይ።
ንስኻትኩምከ ማይ ሰቲኹም ዲኹም ኣስናንኩም ትጉጽጉጹ፣ዋላስ ሓጢኣት ንዝወሓጣ ውሽጣውያን ኣስናን ኢኹም ብቐዳምነት ትመርጹ፧
ወስብሀት ለእግዚኣብሔር።
ንስኻትኩምከ ማይ ሰቲኹም ዲኹም ኣስናንኩም ትጉጽጉጹ፣ዋላስ ሓጢኣት ንዝወሓጣ ውሽጣውያን ኣስናን ኢኹም ብቐዳምነት ትመርጹ፧
ወስብሀት ለእግዚኣብሔር።
torsdag 1. februar 2018
ማስቲካ ዝለመዳ ኣስናንሲ፣ንብዕሪር ይሕሰማ፣
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ።
ጛሶት ናይ ህዝቢ ኤርትራ፣ኣብ ጥንታዊ ያተኦም ናብ ገረብ ጮቖምጠ ሓኺሮም፣ቆጽሊ ጨቖምጠ ድማ ቀንጢቦም፣ነቲ ጉንዲ ብእምኒ ገይሮም ብምትንካሕ ጻባ ናይቲ ገረብ ብምጥቃም ኣብቲ ቆጽሊ ይለኽይዎ፣፣ምስ ነቐጸቲ ጸባ፣ ካብቲ ቆጽሊ ለቒቖም ናብ ኣስናኖም ብምውታፍ ከም ባህላዊ ማስቲካ ይጥቀምሉ ምንባሮም ኣስናነይ ዝምስክረኦ ሓቂ ኢዩ።ጥምየት ንምዕንጋል ኣይኮኑን፣ስለዝሰኣኑውን ኣይኮኑን።ጸባ እምኒ እንዳሃለዎከ ከመይ ስኢኖም ክበሃል።ንምኻኑ ጨቖምጠ ጸባን ቆጽልን ዘውጽእኮ፣ኣብ ግዜ ራሕሲ ኢዩ።መሬት ብራሕሲ ምስ ዘቕበበት፣ጨቖምጠ በኣቕጽልታ ትጉልቦብ፣ጥሪት ድማ ካብቲ ላዕመት ናይቲ ጎቦ ይዕንገላ።
ህዝብና ብምትእትታው ምዕራባውያንን ባዕዳዊ ልምድታትን ክውረር ምስ ጀመረ፣እዚ ጥንታዊ ያታታት እንዳበረሰ መጺኡ።ኣብ ዶኻክን ማስቲካ ተዘርጊሑ ንመሸጣ ብውዕዉዕ ዕዳጋታት ክቐርብ ትርእዮ ኢኻ።ብዕሪር ግን ወይከ።ንምኻኑ ማስቲካ፣ብዕሪርዶ ኣይኮነንት፧ብኣስናን ካብ ምሕያኽ ሓሊፋከ እንታይ ተምጽኦ ለውጢ ኣሎ፧ኣስናነይ ተደናጊረን ብመዓር ዝተሰመስረሐ ብዕሪር መሲልወን እምበር፣ብቐንዳ ብዕሪር ኢያ እዛ ማስቲካ።
ጻዓዱ ወይ ምዕራባውያን፣ማስቲካ ሒዞም ናብ ዓድና መጺኦም፣፣ንሕና ከኣ ቀደሙ ብዕሪር ኢና ንፈልጥ ነይርና፣ማስቲካኦም ምስ ለመድና ግን፣ንብዕሪርና ተሓሲምናዮ።ወዮ ማስቲካ ከምእንፈልጣ፣ግዝያዊ ሽኮር ኣሎዋ፣እረ ገሊኡውን ንግዚኡ ክጸንሕ ዝኽእል ምኡዝ ጨና ኣሎዋ፣ግን እቲ ሽኮራውን ጨናውን ነገር ናይ ማስቲካ ንግዚኡምበር፣ዳሕራዩስ፣ናብ ሽኮር ኣልቦ ዝኾነት ብዕሪር ኢያ ትልወጥር።ለካ ማስቲካ ንኣስናነይ፣ብግዚያዊ ሽኮራውነታ ኣደናጊራቶ እምበር፣ካብ ብዕሪር ዘፍሊ ነገር ሃልይዋ ኣይኮነን።ጻዓዱ ግን ማስቲካኦም መታን ክሽየጠሎም፣ንኣስናነይ ማስቲካ ቀስ ብቐስ ከምዝለምድ ገይሮሞ።ስለዚ ማስቲካ ዝለመዳ ኣስናን ኢየን እምበኣር፣ሕጂ ንጨቖምጠ ተዘይጸነተ ኢለን ዝምጉታ ዘለዋ።ቅኑዕ ፍርዲ እስከ ንፍረድ፣ትማሊ ብዕሪር ይሕይኻ ከምዘይነበራስ፣ሕጂ ከመይ ኢለን ተገምጢለን ንህላወ ጨቖምጠ ከጽንታ ተዓጢቐን!!
ነገሩ ጨቖምጠ እንታይ ገይሩ፣ጸዓዱስ እንታይ ገይሮም፣እቲ ጠንቂ ናይ ኣስናን ኢዩ።ኣስናን ማስቲካውን ብዕሪራውን ምኻኑ ናይ ምስትምቓር ሓላፍነት እትወስድ ኣብ ማእከሎም ዝተቐመጠት መልሓስ ምህላዋ ጥራይ ዘይኮነስ፣ካብ ከባቢ ሰራውር ኣስናን ተቐዲሖም ዘይውድኡ ምራቓውያን ባእታታት ዝውንኑ ኢዮም ኣስናን።እሞ ነቲ ትማሊ ዝሕይኽዎ ዝነበሩ ብዕሪርሲ፣ሕጂ ንእሽቶ ሽኮር ለበስ ኮይና እንተመጸቶምዛ ማስቲካ፣ካብ ብዕሪር ንምፍላዩ ከመይ ተጸጊሞም፧ቀደሙስ ንብዕሪር ብዘይገንዘብ ካብ መሮር እንዳማእረሩ ብቐረባ ይረኽብዎ ነይሮም።ሕጂ ግን ማስቲካ ምስ ለመዱ፣ንብዕሪር ተሓሲሞሞ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ብማስቲካ ክንግዛእ ይሕሸንእ ብምብእል፣ ጨቖምጠ ኣብዛ ዓለም ንዘለዎ ህላውነት ንኸጽንቱ ተታኺሶም ኣይፈልጡን ኢዮም እዞም ኣስናን።
እሞ ንሕናኸ፣ዝለመድናዮ ናይ ጥንቲ ምሳና ዝዓበየ፣ኣስናንና ኣጸቢቑ ዝፈልጦም ሃብትታት ኣሎዉና።ጸዓዱ ድማ ሃብቶም መታን ከኻዕብቱ፣ንሃብትታትና ግን ከጽንቱ ስለዘለዉዎም፣ንዓና ንነገራቶም ቀስ ብቐስ ከምንለምድ ንኽገብሩ ወትሩ ምስ ጸዓሩ ኢዮም።እንታይስ ንግበር፧ናብ ብዕሪርናዶ ንመለስ፣ወይሲ ጸዓዱ ምስዘዝሰርሕዎ ማስቲካ እንዳተዓሸና ንምበር፧ኣነስ መጀመርያ መቐረት ብዕሪር ንፍለጥሞ፣ብድሕሪኡ እቲ ውሳነ ነናብ ኢድና ኢኸውን።ነገራት ዝኸፉኡና ጽዓዱ ስለዝሓዩ ኣይኮነን።ጥንታውን መንፈሳውን ሃብትታትና ከየለለኻ፣ጸዓዱ ምስ ዝመስርሕዎ ማስቲካታት ካብ ምኽብላል ዝዓቢ ስንፍናኮ የለን።
2ይ ክፋል ይቕጽል።
ወስብሀት ለእግዚኣብሔር።
onsdag 24. januar 2018
tirsdag 9. januar 2018
ቀሊሜንጦስ 6,፣21.ኣዳም ዓሻ ኮይኑ ኣይተፈጥረን ኣስተውዓልን ብልሓተኛን ኮይኑ ኢዩ ዝተፈጥረ ካብ ናይ ጥበቡ ብዝሒ ዝተበገሰ ንኹሎም ፍጡራን በብስሞም ሰየሞም።
ቀሊሜንጦስ 6,፣54.በደል ክትበዝሕ ኢያ ደናግል ኣንስቲ ሕፍረተን ክቕላዕ ኢዩ ኣቦ ንውሉዱ ውሉድ ድማ ንወላዲኡ ክኽሕዱ ኢዮም ኣገልጋሊ ንኣስራሒኡ ክኽሕድ ኢዩ ኣደ ንውሉዳ ውሉድ ድማ ንኣዲኡ ክኽሕዱ ኢዮም ኣገልገልቲ ኣብ ልዕሊ ሓለፍቶም ትዕቢት ከርእዩ ኢዮም እመቤት ክትነዓቕ ኢያ እታ ሰራሕተኛኣ ድማ ከም እመቤት ክትከውን ኢያ መንእሰያት ንሽማግሌታት ንዒቖም ኣብ ላዕሊ ክቕመጡ ሽማግሌታት ድማ ኣብ ታሕቲ ክቕመጡ ኢዮም።

mandag 8. januar 2018
በእንተ ግልጸተ እግዚብሔር ለኩሎሙ ፍጡራቱ 3ይ ክፋል።
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።
ሕጊ ክሕገግ እንከሎ፣እቲ ሓጋጊ ሕጊ ርሑቕ ጠመተ ናይ ሓቂ ስለዘማዕዱ ኢዩ።ኣብዛ ዓለም ዘለዉ ሓገግቲ ኪደት፣ንባዕሎም ብሰንኪ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ምኻኖም ምሉእነት የብሎምን፣ስለዚ እቲ ዝብይንዎ ብያነ ፍጹምነት ኣይህልውን ስለዝኾነ ብዙሓት የግረምሩሙ ብዙሓት ድማ ይድሰቱ።ስለዚ ሰንኪ ፍጡራዊ ሕግነቶም፣ልቢ ብዙሓት ሓላፍ ዘላፍ ይኾውን።

ሰብ ሓንቲ ነገር ክግንዘብ ክግደድ ነይርዎ።ፍጡር ምኻኑ ምእማን፣ፍጡር እንተኾይኑ ከኣ፣ብዘይ ፈጣሪ ፍጡር በይኑ ከምዘይቆውም ምርዳእ ኢዩ፣ፈጣሪ እንተልዩዎ ድማ መን ኢዩ ፈጣሪየይ ኢልካ ስለህልውና ፈጣሪኡ ንዘለዎ ርድኢት ኣብ ጸጽባሕ ሃሰው ክምዝብል የእንፍተሉ።እዚ ድማ ብጉልቦታዊ ኪደቱ ክበጽሖ ስለዘይክእል፣እዚ ንኡስ ኣእምሮ ፍጦር ተመጣጢሩ ክበጽሖ ዘይክእል ንላዕሊ ክንዮ ኣድማስ፣ንታሕቲ ድማ ጥልቀታት ባርባሮስ ዘይልክዕዎ ፈጣሪ፣ገናና ስለዝኾነ ኣንታ ኣብ ርሑቕን ኣብ ውሽጢ ልበይን እትነብር ፈጣሪ፣ህልውናኻ ንኽርዳእ ንኣእምሮይን ሕልናይ ዝፈጠርካ ፈጣሪ፣ ልበይ ክፈት ኢሉ ካብ ፈጣሪኡ ሓገዝ ክሓትት ይግደድ።
እዛ ኣብ መንጎ ፈጣርን ፍጡርን ዘላ እምነት ንባዕላ ብዘይ ፍታው ፈጣሪ፣ብጉልቦት ፍጡራት ጥራይ እትቐውም ኣይኮነትን።እዚ ግን ካባና ካብ ፍጡራን እንዓዮ ተራ ኣልቦ ኢዩ ማለት ኣይኮነን።ኩሎም ቅዱሳን ነዛ ሃይማኖትዚኣ ብመንፈሳዊ ጉልቦቶም ከይወሰኹሉ፣ብሰንኪ ስጋዊ ድኻማቶም ድማ ከየግደሎ፣ህልውና እግዚኣብሔር ብፍቓዱ ግሁድ ኮነ።

እዚ ንደቂ ሰባት ዝተዋህቦ ግህዶ ወይ ግልጸትዚ ኣብ ሰለስተ ከፋፊልና ክንርእዮ ይከኣል ኢዩ፣፣
1) ኣስተርእዮ ቅድሚ ሓዱሽ ኪዳን፣
እዚ ካብ ኣቦና ኣዳም ጀሚሩ ክሳብ ልደተ ክርስቶስ ኣምላኽና ዝነበረ ግልጸት ኢዩ።ቅዱሳን ንህልውና እግዚኣብሔር ብመልክዕ ጽላሎት ኣእምሮኦምን ዘመኖምን ብዝኽእሎ ምጣኔ፣ እግዚኣብሔር በብዝተፈላለየ ግልጸት ይረኣዮምን ህልውንኡ ይኽሰተሎምን ነበረ።ንኣብነት፣ንኣዳም፣ኣበይ ኣሎኻ፣እትብል ሕቶ እትመስል ግን ከኣ ህልውንኡ እተዘኻኽር ብናይ ንስሓ ጻውዒት ጸውዖ፣ኣዳም ድማ ብመሪር ጣዕሳ ህልውንኡ ካብ ናይ ዓንተዎኡ ዝያዳ ኣብዛ ሰዓትዚኣ ንሕንቕንቕኡ ኣስቆርቆረቶ።ዘፍ 3,፣9 እዛ ድምጺ እዚኣ ኣእምሮ ኣዳም ክስከማ ዝኽእል፣ንሕልንኡ ድማ እትምችእ ድምጺ ኢያ ነይራምበር፣ኣተባህርርን ከም ናይ ከቢድ መሳርያ ኪናት ንየእዛን እትቐድድን ድምጺ ኣይነበረትን።
ቀጺላ ልሳን እግዚኣብሔር፣ ሕጂውን<< ኦ ቃኤል፣ኣቤል ሓውኻ ደኣ ኣበይ ኣሎ>> ኢላ ሕልና ቃኤል ክስከሞ ብዝኽእል ነጎድጋድ ድምጺ ተገልጸትሉ። እዛ ድምጸ ልሳንዚኣ ሓጢኣት ትቃጸወካ ኣላሞ ተጠንቀቐላ ኢለካ ከብቅዕሲ ስለምንታይ ደኣ ሰነፍካ፣ዝብል ወቓሲት ጻውዒት ብዘለዋ ድምጺ ጨደረት።ዘፍ 4፣9 እዚ ድማ ቃኤል ዋላካ ልቡ እንተተረረ፣ብሕልንኡ ከምዝውቀስን እንዳቕባሕብሐ ከምዝነብርን ገይራቶ ኢያ።

2)ኣስተርእዮ ኣብ ግዜ ሓድሽ ኪዳን፣
እዚ ድማ ፍልይ ብዝበለ ኢዩ።ከምቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ብፍታዉ እግዚኣብሔር ዝግለጾ ዝነበረ፣ሕጂውን ካብኡ ብዝጎለሐ ክግለጽ ጀመረ።እቲ ዘገርም ነዚ ግልጸትዚ ሰብ ኮይንካ ንሰባት ምስጢሩ ክገልጽ ክመርጽ ምኻኑ ኣብ ዘመነ ብሉይ ብስእላዊ መልክዕ የተስፍዎም ከምዝነበረ፣ሕጂ ቱርጋሜ ኮይኑ ተገልጸ።ኣብ ማህጸን ብፍቓዱን ብፍታዊ ደቂ ሰባትን፣ኣብ ድንግል ኣብ ማህጸና ድቂ ኮይኑ ተጸንሰ፣ከምቲ ሕገ ተፈጥሮ፣ብዘይካ ሓጢኣት ንበይና በብቑሩብ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ዓበየ።ብሓንቲ ሰከንድ ከም ዕንበባ ሱፍ፣ሓፍ ኢሉ ብሓንቲ ቃሕ ሰብ ክዓቢ ዝኽእል ኤልሻዳ ክንሱ ኣእምሮና ክስከሞ ብዝኽእል፣ንሕልናና ዝመጣጠን፣ ዝያዳ ካብ ብሉይ ኪዳን ሕጂ ኣብ ሓዱሽ ኪዳን ህላዌኡ ንክንርዳእ ኣመቻችኣልና።ርቀቱ ከረድእ ክብል ካብ ማህጸን ብሕቱም ድንግልና ተወልደ፣ስጋና ከይፈንፈኖ ምልባሱ ንክምህር ድማ፣ ኩሉ ናይ ሰብኣውነት ብዘይካ ሓጢኣት ንበይና እረ ክሳብ ሞይትካ ኣብ መቓብርን ሲኦልን ምእታው ተዓገሰ።ኣብ ዙፋኑ ከቢሩ፣ኣብ ሲኦል ተደቢቑ ዝነብር ገናና ክንሱ፣ሕጂ ግን ምእንቲ ግልጸቱ፣ስለደቂ ሰባት ክብል ክሳብ ክንድዚ ተዓገሰ።እቶም ኣብ ምድሪ ዝነበሩ ዝነበሩ ህላዌኡ ተረዲእዎም << ካባኻሞ ናበይ ከነብል፣ንስኻስ ናይ ዘልኣለም ሂዎት ዝህብ ቃል ኣሎካ>> ኢሎም፣ ክርስትያን ኮኑ፣እቶም ኣብ ሲኦል ዝነበሩ ዝነበሩ ድማ እቲ ተስፋ ምፍጻሙ ፈሊጦም ብብርሃናዊ መለኮቱ ሓርነት ተኣወጀሎም።ነዚ ቅዱስ ጳውሎስ ከመልክት እንከሎ፣<<ኣምላኽ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ መገድን ቀደም ነቦታትና ብነብያት ገይሩ ምስ ተዛረቦም፡ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንኣና በቲ ወራስ ኵሉ ዝገበሮ ብእኡውን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተዛረበና፡እብ1፣1=2 ኢሉ ይምስክር።እዚ ሕጂ ተወሊዱልና ኢልና ወትሩ ዓመት መጸ ብልደቱ እንቕደስ ክቡር ፈጣሪ፣ለካ ጥንታዊት ልደቱስ ዘመናት ዘይልክዓ ምኻና በዛ ናይ ሎሚ ልደቱ ክንግንዘብ ኣኽኣለና።ብናይ ሕጂ ግልጸቱ ነቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ኣምልኾና ዝያዳ ከምዝጥንክር ገይርዎ ይርከብ።ኤርትራ ሃገርና፣ካብዚ ናይ ብሉይ ኪዳናን ኣምልኾ ተኻፋልት ከም ምምባራ መጠን፣ኣብ ሓዱሽ ኪዳን ድማ ካብቶም ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ደቂ ሰባት፣ከም እስራኤል ቀዳመይቲ ተኻፋሊት ተስፋ ክርስትና ኮይና ኣብ ግዜ ልደቱ ኣእንገደቶ።እቶም ሰብ ተቐማጦ ይሁዳ ንዝነጸግዎ ክርስቶስ፣ ኤርትራውያን ህዝቢ ግን ተቐቢሎም ኣእንገድዎን ኣገልገልዎን።ብልሳን ኣዲኡ ድንግል ማርያም ገይሩ ድማ እሙን ፍጻሜ ተስፋ ናይ ሓድሽ ኪዳን ኣብ ደብረ ሲና ኣሰር ገዲፍልና ከደ።ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣፍሪቃ ክርስትና ኣሎ ተባሂሉ ዝዝንቶ ዘሎ ሓቃዊ ዛንታ፣ቀስቱ በቶም ኤርትራውያን ህዝቢ ኣቢሉ ዝፈለመ ምንባሩ ዝተኣመነ መዝገብ ኢዩ።

3) ኣስተርእዮ ድሕሪ ምጽኣት፣
እዚ ዘመን እዚ፣ዝተለከዐ ግዱብ ግዜ የብሉን።ብርግጽ ምጽኣት ኣሎ፣ካብ ምጽኣቱ ንንዮ ክሳብ መዓስ ምኻኑ ግን ዝተገደበ ግዜ ኣይኮነን።ድሕሪ ምጽኣት ዘሎ ክውንነት፣እቶም ብገዛእ ኢዶም ብእሳት ክነዱ ዝመረጹ፣ይዋእ! ዘልኣለማዊ ቅጽዓት፣እቶም በገዛእ ኢዶም ብብርሃናዊት ኢዱ ክደምቁ ዝመረጹ ድማ ደስ ይበሎም፣ዘኣለማዊ ሞሳ ንምቕባል ደዶሞዞም ዝቕበልሎ ዘመን ክቕልቀል ኢዩ።ኣብዚ ዘመንዚ እቶም ሓጢኣን ብርእዮ ካብዚ ናይ ሕጂ ዝያዳ ሽዑኡ ብሰንኪ ብርቱዕነት መለኮታዊ እሳትነት ፣ብቃንዛ ኣስናኖም ክሕርቅም ኢዩ፣እቶም ቅዱሳን ድማ ሳላ ከሃልነቱ እንዳተገረሙን እንዳመስገኑን ክነብሩ ኢዮም።እቲ ሽዑኡ ዝፍጸም ግልጸተ እግዚኣብሔር ካብዚ ናይ ሎሚ ዘመን ብዕጽፍታት ይበልጽ ኢዩ።ሕጂ ንዑኡ ብዋግዋጎ ንርእዮ ኣሎና፣በዛ ኣብኡ ዘላትና መነጸራዊት እምነትና ገይርና ኣብ ማዕዶ እረ ኣብ ውሽጢ ሕልናና ተቐሪጹ ይረኣየና ኣሎ።ሽዕኡ ግን ብግህዱ ክረአ ኢዩ።ናይ ሕጂ ግልጸት ካብ ናይ ብሉይ ኪዳን ከምዝበልጽ፣ናይ ሽዑኡ ማለት ናይቲ ምጽእት ግልጸት ድማ ካብ ናይ ሎሚ ዝያዳ ዕጽፍታት ክበልጽ ኢዩ።ሕጂ ኣብ ግዜ ጾሎትናን ቅዳሴናን ቅዱሳኑ ምሳና ሰሚሮም ምህላዎም በዛ ኣብ ውሽጥና እትርከብ መነጸር ማለት እምነትና ገይርና ተዘይኮኑ፣ብግህዱ ንምርኣዩ ብቕዓት ኣይረኸብናን ንኸውን፣ድሕሪ ምጽኣት ግን ምስ ቅዱስ ሚካኤል ቅዱስ ገብሪኤል፣ምስ ቅዱስ ኡራኤል ፋኒኤል፣ ምስ እልፊ ኣእላፋት ቅዱሳን መላእክት ምስ ኩሎም ጻድቃን ሰማእት ጎኒ ንጎኒ ኮይንና ንሓድሕድና እንዳተረኣኣና ንዑኡ ድማ ብግልጸቱ እንዳተደሰትና ቅዱስ፣ቅዱስ፣ቅዱስ ኢልና ከነመስግኖ ኢና። << 1ዮሐ 3,፣2ኣቱም ፍቁራተይ፡ ሕጂ ውሉድ ኣምላኽ ኢና፡ እንታይ ከም እንኸውን ከኣ፡ ገና ኣይተገልጸን። ንሱ ምስ ዚግለጽ ግና፡ ከምታ ዘለዋ ኽንርእዮ ኢና እሞ፡ ንእኡ ኸም እንመስል፡ ንፈልጥ አሎና።>> ይብል። እቲ ናይ ሽዑኡ ግልጸት መመልሲካ ተገረም ተገርም ዘብለካ እጹም ድንግቂ ዝኾነ ግልጸት ኢዩ።እዚ ኩሉ ብፍቓዱ ዝገብሮ ድማ ስለለውሃቱ ክብል ኢሉምበር ናይ ማንም ጉልቦት ስለዝገደዶ ዘይምኻኑ ዝተኣመነ ሓቂ ኢዩ።

ስለዚ ግልጸት ህልውና እግዚኣብሔር ኣብ ልቢ ፍጡራት ንኽቕረጽ፣
1) ሰባት ፍጡራት ምኻኖም ክግንዘቡ የድሊ፣
2) ፈጣሪ ወይ ድማ ሰራሒ ከምዘለዎ ክእመኑ ይግባእ።
3)ሰራሒየይ ፈጣሪየይ ከመይ ይመስል ኢልካ፣በቲ እትኽእሎ ዓቕሚ ሃሰው ምባል የድሊ፣
4) ኣሰው ክትብል እንከለኻ ድማ፣ንልበይ ዝፈጠርካ ኣምላኽ ልቦናይ ብእትኽእሎ መጠን ህልውናኻ ኣረድኣያ ኢልካ ብትሕትና ንዑኡ ምምህጻን የድሊ።
5) ንዑኡ ዝፈለጡን ዝሰዓቡን ቅዱሳን ኣበው ገድሎምን መንፈሳውነቶምን ወትሩ እንዳተመገብካዮ ምምባር ይግባእ።
6) መንፈሱ ዝነፈሶ ዘበለ ኩላቶም ቅዱሳን መጽሓፍቲ ከይሸርመምካ፣ከይቆረጽካ ብምሉእ እምነት ምቕባል ግቡእ ኢዩ።

NB. መንፈሱ ካብ ቅዱስ ዕዮ ደው ኢሉ ኣይፈልጥን ኢዩ።ካብ ዘመነ ኣዳም ክሳብ ሓድሽ ኪዳን ደው ኣይበለን።ንሱ ደው እንተዘዪሉ ድማ፣ቃላቱ እዜን ጥራይ ኢየን ኢልካ ክትቁንጭል እይከኣልን ኢዩ።ሓሳባት እግዚኣብሔር ቀዲሕካ ዝውዳእ ዒላ ብዘይምኻኑ መጠን፣ክሳብ ምጽኣት ንዝፍጸም ክውንነት ድማ፣በብዘመኑ ንሱ ንክጸሓፍ እንተፈቒዱ ክትቅበሎ ፍጡራዊ ግቡእ ኢዩ። ገለ ገለ ሰንከፍ ሕልና ዝውንኑ ወገናት እዜን ጥራይ ኢየን መጽሓፍ ቅዱስ፣እዚኤን ጥራይ ኢየን ሓሳብ እግዚኣብሔር፣ ኢሎም ዝሽርምሙን ዝቆራርጹን ኣሎዉ።ንሱ እቲ ፈጣሪ ግን፣<<ማቴ28፣ 20 እነሆ ኣነ ድማ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ምሳኻትኩም ኣሎኹ፣>> ኢሉ ዘተስፈወ ቅዱስ መንፈሱ እሙን ቃል ኪዳን እረ ዘይታኸስ ጎይታ ምኻኑ ተረዲእካ ስራሑ ብሰንኪ ስንፍና ሕልናኻ ንስራሑ ደው ከተብሎ ኣይግባእን።፣ኩላቶም ኣብ ዘመነ ብሉይ ዝነበሩ ቅዱሳን ናቱ ተኸተልቲ ብናቱ ደገፍ ዝነበርዎ እሙን መንፈሳውነት ክሳብዚ ሕጂ ሓድሽ ኪዳን፣እረ ክሳብ ምጽኣት ንዘሎ ክዉን መንፈሳውነት፣ መንፈስ ቅዱስ ካብ ቅዱስ ስራሕ ምስራሕ ደው ክሳብ ዘይበለ፣ናቱ ኣገልገልቲ ብፍታዉ ፈጣሪኦም፣ንዝጸሓፍዎም መጽሓፍቲ፣ሓቅነቶም እታ መርዓቱ ቤተክርስትያን መመርሚራ ንደቁ እንዳኣእንገደት ትነብር ኣላ።እግዚኣብሔር ሕልናናን ኣእምሮናን ተቖጻጺሩ ንዑኡ እትስዕብ ካብ ፍትወተ ስጋ ሓራ ዝወጸት ሓዳሽ ልቢ ይፍጠረልና። ኣሜን።
ስብሀት ለእግዚብሔር ዘተከስተ ለነ በሰናየ ፈቃዱ፣
ስብሀት ለቅድስት ድንግል በክልኤ ማርያም እንተ ኣምጽአት ለነ ህብስተ ሰማያዊ፣
ስብሀት ለመስቀለ ክርስቶስ ኣምላክነ እለ ኮነ ሐይለ ትእምርት።
ስብሀት ለቅድስት ድንግል በክልኤ ማርያም እንተ ኣምጽአት ለነ ህብስተ ሰማያዊ፣
ስብሀት ለመስቀለ ክርስቶስ ኣምላክነ እለ ኮነ ሐይለ ትእምርት።
Abonner på:
Innlegg (Atom)
ኣነ ግዳ ውሉድካ ንክናኣናዊት'ኳ ዝመሓርካ...
በስመ ሥላሴ ኣብራም'ዩ ግብረይ ኣብ ካራን ምንባረይ ሃብታም'ዩ ሰፈረይ ብዘመናዊ ስራይ ኣብኡ'የ ዝወድቕ ይሃጥር ብስጋይ ሓሽከት ሓጣውእ ይበራረዩለይ ገንዘብ ሶዶም ክኸስብ ገንዘብካ ይስእኖ እናሻዕ ይንኖ...
-
ብስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን። ኣንቲ ብርዐይ ንስኺ ትሕሺ ደጉዕለይ፡ እዚ ኣርእስቲ ካብ ደጉዓ ዝተወስደ ኮይኑ፡መልቀስ፡ቁዙምታ ማለት ኢዩ።እሞ ኣነስ ኣልቂሰ ምኽኣል ሲኢነዮ፡ልበይ ግዲ ተሪሩ፡ዋ...
-
በስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን፡ መልሲ ንስእሊ ሥላሴ ዝቐዱን ዝቃወሙን! ሕቶ፦ ኣንቱም ስላሴ እትብሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስሲ " ስላሴ" ትብል ቃል እስከ ኣበይ ኣላ ንገሩኒ፧ =ኣ...
-
በስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን። ኮፍ ኢሎም ዝሰቐልዎ ፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨ ናይ ኢራቕ ኩርዳውያን ከምዚ ኢሎም ይትርኹ። "ሓንቲ ጋል ንጉስ ነበረት።ሓደ ተፍቅሮ ወዲውን ነበረ እሞኸድ...
-
በስመ ስላሴ ይቀደስ ልሳንነ። ንክብሪ ዝዝንጥላ ከናፍር ሎሚ፡ እለን ከናፍር እስመ ኢይመጥዋ ክብረ ለክቡራነ መዐርገ በዛቲ ዘመን። ቀደም ዘመን ሓንቲ ወይዘሮ ንበዓልቤታ ጎይታይ ትብሎ ነይራ፡ሎሚ ግን ኣንታ፡ ቀደም ...
-
በስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን ሼመታ ሓሲሩስ ዓጸቦ ግን ኣስፋሕፊሑ! ከብዲ ክትጠሚ እንከላ ኣብ ቅድሚኣ ዝረኣያ ብልዖት ኢዩ፡ክትበልዕ እንተኾይና ግን ሸውሃት ክኽፈት ኣሎዎ።ቅድሚ ሸውሃት ምኽፋቱ...
-
ብስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን። ኣማኒኤል እንታይ ማለት ኢዩ? ኣማኒኤል እግዚኣብሄር ምስለነ፡ኣምላኽ ምሳና ማለት ኢዩ።እዚ ቃል እዚ ኣብ ብሉይ ኪዳን ብመንፈስ ትምቢት ቅዱሳን ዝተነበይዎ...