tirsdag 28. mai 2019

ንሕና ኣብ ቤተ ክርስትያን መን ኢና?


በስመ ሥላሴ! 
ንሕና ኣብ ቤተ ክርስትያን መን ኢና?

√ ንሕና ኣብ ቤተ ክርስትያን ተምሃሮ እምበር መምሃራን ኣይኮንናን።
√ ንሕና ኣብ ቤተክርስትያን ሓጥኣን'ምበር ጻድቃን ኣይኮንናን።
√ ንሕና ንቤተክርስትያን ብጽሞና እንሰምዓን እንኣምናን እምበር፡ ከነእምናን ክንምልሰላን ኢልና ኣይንህንደድን።
√ ንጎይታና ብመንገዳ ንምህጾኖ እምበር፡ ንሳ ብመንገድና ዘይተማህጸነቶ ኢልና ኣይነዕገርግርን።
√ ኩሉ ዘለና ሃብተ መንፈሳዊ ካብኣ ተቐበልና እምበር ፡ ንዓኣ እንውስኸላ ሃብቲ ዘሎ መሲልና ምስ ልዕሊ ዓቕምና ኣይንወዳደርን። ቅንጣብ ትኹን'ውን እንውስኸላ የለን።

√ ብርግጽ በቲ ናታ ሓይሊ ብዙሓት ቲፌዞ ኣጥሪና ኢና፡ እዚ ገበን'ዩ፡ ብሕገ-ፈጣሪ ይኹን በሕገ-ተፈጥሮ'ውን የሕትት'ዩ። ስለዚ ነዞም ናትና ዝገበርናዮም ከይወዓልና ከይሓደርና ንቤተክርስትያን ነረክቦም። እምበርከስ ናታ እምበር ናትና ኣይኮኑን። ንሕና ኣብ ቅድሜኣ ባዶ ምኻንና ተረዲእና ብጸጋኣ ክንመልእ ንጽዕት'ምበር፡ ዝመለአ ሰብነት ዘለና መሲልና ካብ ሑቕፋ ስድሪ ኣይንፍተትን።
√ ንሕና ንቤተክርስትያን ንሓታን ብመልስታታ'ውን ብምሉእ ልብና ንዓግብን'እምበር፡ በቶም ንሳ ዘላለየትና መጽሓፍትን፡ ባዕላ ዝመሃረትና ሕጋጋትን ገይርና፡" ከነረድአ ፡ ክንምህራ ክንውጥራ" ክንብል ኣይንደፍርን።
√ ብሕጋ ንቕየድ እምበር፡ ብሕግና ክትቕየደልና ኢልና ኢድና ኣይነወጣውላን። "ደጊም ቅድስነኣ ፈሪሱ'ዩ" ብምባል ሰይጣን ይጻረራ ብምህላዉ ዘገርም ይመስል። ንሳ ግን ካብ ጥንቲ፡ ብሕገ ልቦና ጀሚራ ካብ ፈጣሪኣ ፈጺማ ኣይተፈልየትን። ይጻረራ ምንባሩን ክሳብ ሕጂ እረ ክሳብ ምጽኣት ካብ መንቀኝነቱ ከምዘይዓርፍን'ውን ትፈልጥ' ያ።

√ ብፍላይ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን፡ ምስቲ ዝነበረ ደጋዊ ምትእትታው ዝነበራ ተጽዕኖታትን ተጻብኦታትን ከይተሓለለት፡ ኣብ ሕገ ልቦና፡ ንለባውያን ብቕድስናኣ ኣለቢማቶም። ኣብ ፍላመ ናይ ሓዱሽ ኪዳን፡ ንድግል ማርያም ምስ ወዳ በቲ ዘየጥፈአቶ ክብራ ገይራ ኣእንጊዳቶም። ኣብ ዘመነ ምህዞን ሰንዓን ፊደላት፡ ቅድሚ'ተን ጥንታውያን ሰብ ፊደል ተሰሪዓ ብምጽናሕ፡ ነቶም መሃዝቲ ፊደል ድሕረ ምንጻፍ ሒዛ ጸንሓቶም እሞ፡ ካብቲ ናታ ድሕረ-ባይታ ተበጊሶም "ካዕብ፡ ሳልስ፡ ራብዕ፡ ኀምስ፡ ሳድስ ሳብዕ" ኢሎም ክፈላሰፉ ኣተባበዐቶም። ብግዜ ሰማእታት፡ ንጽሕቲ መዕቆቢት ደብረ-ቅዱስ ኮይና ንብዙሓት ቅዱሳን ሓቖፎቶም። ኣብ ዘመነ ቱርኪ ን 300 ዓመታት ብንጽሕናኣ ተቓሊሳ መኪታን ሰዓረቶም። ዓቕሞም ተሓለለ'ምበር ኣየፍረስዋን!ከመይ ኢሎምከ ንቅድስናኣ ክደፍርዎ፧ ኣብ ዘመነ ጥልያን ብፍጽምናኣ ክሳብ 50-60 ዓመታት ሞጊታቶም።

√ እሂ! የለዉን ድዮም እንሕበነሎም ኣብነታውያን ቅዱሳን ኣኣብ'ዚ ዝተጠቕሰ ዘመን፧ ማለት ካብዛ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን'ዚኣ ማለተይ'የ፧ መሊኦም'ባ! ኣብ ዘመነ እንግሊዝ፡ ብዶግማውን ተውፊታውን ፍጹምን ቅዱስን ዝኾነ ባህሪኣ ገይራ ንምንፍቕናዊ ሽበራኦም ረቲዓቶ'ያ። ቅድስናኣ ግን ክሳብ ሕጂ'ውን እንተኾነ ኣይተበረዘን። ን300 ዓመታት ዝኣክል " ኣብ ትሕቲ ግብጺ ስለዘይተቖረንኪ ቅድስና የብልክን" ኢሉ ፈጣሪ ኣይነቐፋን። ኣብ ዘመነ ቱርኪ ማለት'ዩ።  ን50-60 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ስለዘይነበርኪ" ኢሉ ኣመኻንዩ ፈጣሪኣን መርዓዊኣን ቅድስንኡ ኣይነፈገላን። በንጻሩ እኳ ደኣ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዘመናት፡ ካብተን ከምኣ ዝኾና ኣሐታ ዘይሰንፍ በረኸት ከምዘውሓዘት ንፈልጥ ኢና። ብዙሓት ካብቲ ዘይነጽፍ መንፈሳዊ በረኸታ ከምዝተባረኹ ዕድሜና ዝምስክሮ ሓቂ'ዩ። በረኸቶም ድማ ክሳብ ሕጂ ኣሰር ኮይኑ ብዓይንና ይረኣየና እንዳሃለወ ክንክሕዶ ኣይከኣለናን።

√ ከምኦም፡ ከምዞም ኣብ'ዚ ዘመናት'ዚ ዝተጠቕሱ ቅዱሳን፡ ብስማ ከምእንቕደስ ተስፋ ንገብር እምበር፡ ንሕና ምስዝሓከሉ ኣይንሕክልን፡፡ ብድፍረት ድማ ብልሳነ ኣጋንንቲ ገይርና ኣይንዝልፋን።
√ ንሳ ንዓና ዝቕድስ እምበር ዘጸይን ባህርይ ስለዘየብላ ኣይንጽየፋን።
√ ርግጽ'ዩ፡ ሰይጣን ንቤተክርስትያን ከምዝጽየና ንፈልጥ ኢና። ብመንገዲ ካህናት ዝወሃብ ባርኾት ከምዘይፍተዎ'ውን ይርደኣና ኢዩ። እቲ ካብ እግሪ ጳጳሳት፡ ኤጲስቆጶሳት ቆሞሳት ቀሳውስት ዝፈስስ ወሓዚ መንፈሳዊ ባርኾት ጸርጊፍዎ መታን ከይከይድ ስለዝፈርሕ'ዩ ከኣ፡ ሰይጣን ናብ ቤተክርስትያን ቀሪቡ ክብሪ ክህባ ዘይደሊ። ብማዕዶ ኮይኑ ግን በንጻሩ ንልኡኻታ ክነቕፎምን ከናሽዎምን ይብረሆ።
√ ጠንቁ እቶም ኣቦታት ስለዝበርትዕዎ ጥራይ ኣይኮነን፡፡ እዞም ልኡኻታ ኣብታ ቤተክርስትያን ምህላዎም ንዑኡ ነዚ ርኹስ መንፈስ እኹል ዘባህርር ሓይሊ ኢዩ።
ንሕና ግን ከም ቅዱሳን መልኣኽቲ ናብ ውሽጣ ክንእከብ ንፈቱ እምበር፡ ከም ኣጋንቲ ማዕዶ ማዕዶ ኣይንብልን።

√ እሞ ንሕና ሓይሊ ቤተክርስትያን ከምዘይደኸመ ንኣምንን ንምሕጸንን እምበር፡ ከም ሰይጣን ኮይንና ንክብራ ንምንሻው ልሳንናን ልቦናናን ኣሕሊፍና ንጸረ ሰናያት ኣይንህብን።
√ ተኸኣልናስ ነቲ ካብ ታተ ኣሳጉማና ኣጀሚራ ክሳብ ብደውና እንረግጽ ዘሳለየትልና በዓልቲ ውዕለትና ቤተክርስትያን ነመስግናን ንምስክረላን እምበር፡ "ረኺሳ ኢያ" ኢልና ልሳንና ኣብ መስቀል ናይ ዝተኣስሩ ኣጋንንቲ መሳርሒኦም ክትከውን ኣሕሊፍና ኣይህብን።
√ ተረኺሳኮ ናትና ቅድስና'ውን ኣይሕሰብን ዩ። ብጥምቀት ዝተቐበልናዮ ጸጋ ኣይሕሰብን። ዝተሸምናዮ ሽመት ኣይሕሰብን። ዝተማሃርማዮ ትምህርቲ ኣይሕሰቡን።እሞ ከምኡ ተኾይኑ፡ ንዮ ኣብቲ ማዕዶ ኬድና ምጥማቕ ከድልየና ዩ። ሽመትና ተዘይተሓሲቡ'ውን ከምበሓድሽ ምሻም ከድልየና'ዩ። ከመይ ኢልናኸ ረኺሳ ኢያ ኢልና ደፈርና፧ ቤተክርስትያን ግን 10 ዓመት ይኹንሲ ንሓንቲ ሰከንድ እዉን ትኹን ክብራን ቅድስናኣን ከምዘይቀነሰት ንኣምን ንእመንን እምበር፡ ብምኽሪ ድያብሎስ፡ ንድያብሎስ ከነሐጉስ ክንብል ዝሃበትና ሕሉፍ ክብርታት ኣሕሊፍና ንርኽሰት ኣይንህብን።ተኸኣልናስ ብተጋድሎኣ ንጸናናዕ፡ ብተስፋኣ ድማ ንጸንዕ'ምበር ጥሪት ከንቱ ንምርካብ ምስቶም ከንታውያን ጸላእታ ኣይንሓብርን።

√ ንሕና ኣብ ቤተክርስትያን ኣብ መስቀል እምበር፡ ኣብ ሶፋ ከምዘይምህላውና ንፈልጥ፡፡ ስለዚ መከራ ቤተክርስትያን የሕመና፡ ኣብ ውሽጣ ኮይና ድማ ንቕንዞዎ።ብትዕግስታዊ ቃንዛኣ ገይራ፡ ማዕረ'ቲ ዝተዓገስናዮ ከምትናዝዘና ድማ ንኣምን። ምቾት ቤተክርስትያን'ውን ይምችኣና'ዩ፡ ኣብ በዓላታ ከኣ ብፍሰሃ ብሐሴት ሓቢርና ምስኣ ንዝምር እምበር፡ መከራኣ "ኣሕሚሚኒ" ኢልና ኣይንጠልማን፡ ምቾታ "ጥዒሚኒ" ኢልና'ውን፡ መጋበሪ ስጋዊ ጥቕምና ኣይንገብራን።
√ ንሕና ቤተክርስትያን ኩሉ ከምዝገበረትልና ንኣምንን ነመስግንን እምበር፡ ብምሒር ስጋዊ ሲሰዐ፡ "ጥቕማ-ጥቕሚ ከም ዝተነፍገና" ኮይንና ካብ ቤተክርስትያን ኣይንሕክልን። ንዝተመነናዮ ዝሰኣንናዮ መሲልና ኣይንዝልፋን።
√ ንዝረኸብናዮ ብቕልጽምና ዘምጸናዮ መሲልናውን ንንየተሉ ዓቕሚ የብልናን።
√ ብምኽኒት ንውድሳ እምበር፡ ብምኽኒት ኣሕሊፍና ንጓና ኣይንህባን።
√ ንሕና እቲ ትማል ኣብ ቅድሚ ኣውደምህረታ" ህዝበይ መሃሩ" ኢላ ቃላ ምስ ሃበትና ዝነበረና ኮልቶፍ-ቶፍን ወታእታእን፡ ንሳ እተርእየና ዝነበረት ትዕግስትን ዓቕልን ዘዘኪርና ነመስግን'ምበር፡ ጨሪስና ሕጂ-ሕጂ ካብ ሰማይ ከም ዝወረዱ መላእክት መሲልና ልዕሊኣ ሊቅ ክንኮነላ ኣይንህቅንን።
√ከመይ ኢልናኸ ክንደፍር!

√ ስለዚ ማንም ወዲ ቤተልርስትያን፡ ንቤተክርስትያን ልዕሊኡ ምኻና ይእመን። ድያብሎስ ንዕቤታን ኣገልገልታን ክወቅስን ከናሹን ካብ ዝጅምር ነዊሕ ኣቕጺሩ'ዩ። ክንዮ'ዚ'ውን ንሱ እቲ ጸረ-ሰናያት፡ ንደቂ ቤተክርስትያንን መራሕታን ክውድሶምን፡ ዝናኦም ከም ናይ ዓለማውያን ልዕል-ልዕል ከምሎን ንጽበ ተሊና ጨሪስና ተጋጊና ኣለና። ሰይጣንሲ ተተኻእሎ'ኳ ንቤተክርስትያን ተወር ኢሉ ዝኸይድ ሰብ ከይህሉ ኢዩ ሕልሙ። እሞ ማንም ወዲ ቤተክርስትያን ውዕለቱ ክመልስ ኢሉ ናብዛ ቤት ይገስግስ እምበር፡ ደቃ ከባርር ኢሉ ከይመጽእ።
√ ደቃ ከነባርር ተኾይኑ ዕላማና ግን ኣይንምጻእ ንግደፎ፡ እምበርከስ ናይ ነፍሲ ወከፍ ዝጠፈአት በጊዕ ክርስቶስ ተሓተትቲ ምዃንና ኣይንዘንግዓዮ።
√ ይዝከረኒ ወዲ 7-9 ዓመት እንከለኹ። 1992-1993 ኣቢሉ ይኸውን ካህን ክመጽእ እንክንሪኢ እንዳጎየና እግሩ ንምስላም ንቀዳደም ምንባርና ኣጸቢቑ ይዝክትሮ'የ። ንሕና እቶም ህጻናት ዝነበርና ጥራይ ዘይኮንና'ውን፡ እንኮላይ እቶም ዓበይቲ ዝነበሩ ከይተረፈ፡ ነቶም ካህናቶም ፍጹም ክብሪ ከርእዩ እግሮም እንክሳለሙ ብዓይነይ ዝረኣኽዎ ኣጸቢቐ ዝዝክሮ'ዩ።
√ ሎሚ ንሕና ተተኸኣለና ነዚ ክብሪ'ዚ ክንዕቅቦ ንጽዕር'ምበር፡ ንዘይተበረዙ ክብርታታ ክትብርዝ ምህቃን "ናይ ለባማት ባህርይ'ዩ" ኣይንብል፡፡ በንጻሩስ ክብሪ ቤተክርስቲያንን ክብሪ መራሕታን ምብራዝ ናይ ኢኣማንያን ጠባይ ምዃኑ ንፈልጥ።

√ስለዚ ኣመንቲ ንኹን!

√ እምበኣር ንሕና፡ ቤተክርስትያን ንዝወለደቶም ክቡራት ኣካላት፡ ካብ ህጻናቶም ጀሚርካ ክሳብ ዓበይቶም ውሉዳ፡ ኣኽበርትን ኣብ ቅድሜኦም ትሕት እንብልን ክንከውን'ምበር፡ "ቅድም ንሳቶም ተዘየኽበሩና" ኢልና ብትዕቢት ክንውጠር ግቡእ ኣይኮነን። ተገበርናዮ'ውን ንርገም እምበር ኣይንምረቕን። ክርስቶስ ኣሽንካይ'ዶ ንደቁ፡ ንኹሉ ብምስሉ ዝተፈጥረ ሰብ ከነኽብሮ፡ ከነፍቅሮ ጸውዒና' ዩ፡፡ ጻውዒት ጥራይ ዘይኮነ ድማ ኣዚዝና'ዩ።
√ ንሕና ድማ ዘይከበረ እንተሎ ክብሪ ቤተክርስትያን ከነርእዮ ኢልና ሃሰው ንበል እምበር፡ ነታ ብክርስቶስ ዝኸበረት ቅድስት ቤተክርስትያን ከነዋርድ፡ "ትሕተይ ዘይተምበርከኸት ኢልና "ኢድና ከነወጣውጥ ፍጹም ድፍረት 'ዩ።
እግዚአብሔር ኣጽራረ ቤተክርስትያንን ሓይሎምን የድክመልና።
ወስብሐት ለእግዚኣብሔር

torsdag 23. mai 2019

ተልእኾና እንታይ'ዩ፧

በስመ ስላሴ።

ተልእኾና እንታይ'ዩ፧

√ተልእኾና ምስ ቤተክርስትያን ኮይንና ንመናፍቓን ንምስዓር እምበር፡ ምስ መናፍቓን ሓቢርና ንቤተክርስትያን ከነፍርስ ኣይኮነን።
√ ተልእኾና ኣብ ጎድኒ ቤተክርስትያን ኮይንና፡ ንቤተክርስትያን ልሳን ክንኮና እምበር፡ ኣብ ጎድኒ መናፍቓን ኾይንና ኣንጻራ ክንስለፍ ኣይኮነን።
√ ተልእኾና ብልዳታ ኣቲና ድምጻን ምኽራን ክንሰምዕ እምበር፡ ብሑጛኣ ተቐልቂልና ድምጽና ከነስምዓላ ኣይኮነን።
√ተልእኾና ምስ'ቶም ቤተክርስትያን እትሕጎሰሎም ኣካላት ኮይንና፡ ንጸላእታ ንምሽናፍ ክንዘርየላ እምበር፡ ምስ'ቶም ጸላእታ ዓጢቕና ናይ ተጻረርታ ዘረይቲ ክንኮውን ኣይኮነን።
√ ተልእኾና ንቤተክርስትያን ንምሕጛስ እምበር ንመናፍቓን ንምሕጛስ ኣይኮነን።
√ተልእኾና ተንኮል ኣጋንንቲ ተረዲእና ልሳን ናይ ቤተከስትያን ንምኻን እምበር፡ ልሳን ኣጋንንቲ ኮይንና ንዓኣ ንምፍራስ ኣይኮነን።
√ "ቤተ ክርስትያን ዝሕደስ ነገር ኣለዋ" ዝብሉ ኣካላት ኣለዉ፡ ቤተልርስትያን ድማ፡ "ዝሕደስ ነገር የብለይን!" ትብሎም። ስለዚ ንሕና ምስኣ ኮይንና ድምጻ ከነስምዖም እምበር፡ ምስኣቶም ኮይንና ድምጾም ክነስምዓ ቅኑዕ ኣይኮነን። ዝኾነ ይኹን ብዘየገድስ፡ ካብ ጸላእቲ ቤተክርስትያን ዝመንጨወ ነገር፡ ንቤተክርስትያን ዘቃልልን ዘፍርስን እምበር፡ ንቤተክርስትያን ዝጠቅም ገይርና ከይንሓስቦ።
√ተልእኾና ነቲ ንቤተክርስትያን ከፍርስ ዝህንደድ ዘሎ ሓይሊ ጸላኢ ንምድካም'ምበር፡ ምስኡ ተዓጢቕና ንቤተክርስትያን ንምፍንጣሕ ሆ ክትብል ቅኑዕ ኣይኮነን።
√ ተልእኾና ምስ ቤተክርስትያን ኮይንና ነቶም ዝጠፍኡ ደቃ ክንእክቦም እምበር፡ ምስቶም ጸላእታ ኮይንና ነቶም ዘለዉ ደቃ ክንብትኖም ቅኑዕ ኣይኮነን።
√ተልእኾና ነታ ካብ ጎድፍ ናይ ሓጢኣት ኣልዒላ ኣብዚ ደረጃ'ዚ ዘብጸሐትና ቤተክርስትያን፡ ውዕለታ ንምኽፋል ብዝከኣለና ክንጽዕር እምበር፡ ንዓኣ ምንም ከምዘይገበረትልና ኣደ ቆጺርና ነቲ ዘጥበወና ኣጥባታ ክንነኾስ ትኽክል ኣይኮነን።
√ ስለዚ ማንም ወዲ ቤተክርስትያን፡ ኣዴኡ ቤተክርስትያን ዝገበረትሉ ውዕለት ንምኽፋል፡ ንጸላእታ ንምሽናፍ ምስኣ ሓቢሩ ብመንፈሳዊ ሓይሊ ክቃለሶም ኣለዎ እምበር፡ ምስ ምስኣ ዘይመስሉ ኣካላት ዓጢቑ ንሳቶም ዘዝበልዎ እንዳምጸ ቁስሊ ክኾና ኣይግባእን ኢዩ። "ከቑስላ ዝኽእል ሕሱም ኣካል መን'ዩ፧" ኢልና እንተሓቲትና፡ እቲ ሕሱም ውሉዳ'ምበር፡ ሕሱም ጸላኢኣ በይኑ ነዚ ክገብር ኣይከኣሎን ኢዩ። ምላልባሽ ግን ነቲ ሕሱምን ምስኣቶም ዝሓብርን ውሉዳ፡ ሕማቕ ምኽሪ እንዳመኸረ፡ " ኣብዚ ንኸሳ፡ ኣብዚ ከሕምማ ኢዩ፡ ኣብዚ ፋሕንጭራ፡ ኣብዚ እንተተንኪፍካያ ኢያ እትህሰ!" እንዳበለ ክፉእ ምኽሪ ክመኽሮ ይኽእል። እዚ ክፉእ ምኽሪ'ዚ ድማ ሓደገኝነቱ ብቐልል ዝረአ ኣይኮነን።
ንሕና ግን ደቃ እንተደኣ ኮይንና ንዓኣ ንስመዓያ፡ ናይ ጛና ምኽሪ ይኹን ጭብጥታት ኣየድልየናን ኢዩ። ካብ ናታ ዝዓቢ ጭብጢ የለን፡ ካብ ንዓኣ ሓሊፍና'ውን እነኣምኖ ኣካል የብልናን። ንሳ ካብ ፈጣሪ ወሊዳትና፡ ንሳ'ውን ምስኡ ኣላልያትና። ሕጂ'ውን ብዘይብኣኣ ካልእ ምስ ፈጣሪ ከራኽበና ዝኽእል ኣካል የለን። ኣብኣ ዝተጠመቑ ኩሎም ውሉድ ኣምላኽ ኢዮም፡ ኣብኣ ቃል ኪዳን ዝኣሰሩ ድማ ዓራት ኣሚኖም ቅዱስ'ዩ፡፡ ካብኣ ዝወሓዘ ጸጋ ፍጹም ካብ እግዚኣብሔር ዝመጸ ጸጋ ኢዩ። እሞ ናብ እንዳጛና እነማዕድዎ ነገር የብልናን። ካብ እንዳጛና ዝወጸ ማዕዳ ኣየድልየናን'ዩ። ልዕሊ ኩሉ ንሳ ትቐርበናና፡ ንሳ'ውን ናብ ኣምላኽ ተቕርበና።
ወስብሐት ለእግዚኣብሔር።

søndag 5. mai 2019

ንመንኩም ደኣልና ክንኣምን፣ ንዓኻዶ፣ ንፈጣሪ፧


ንመንኩም ደኣልና ክንኣምን፣ ንዓኻዶ፣ ንፈጣሪ፧




ንስኻ ሓቀኛ ምኻንካ ትንግረና ኣለኻ፣ እግኣብሔር ድማ ሓጥእ ምኻንካ የረድኣና ኣሎ።ንስኻ 'ኣነ ሓቀኛ'የ'' ትብል ኣለኻ፣ እግዚኣብሔር ድማ፣ ''ንሱ ሓሳዊ ኣምስሉ'ዩ'' ይብለና ኣሎ። ንስኻ ስለጽድቅኻ ከተረድኣና ትህንደድ ኣለኻ፣ እግዚኣብሔር ድማ ሎሚ ውን እንተኾነ ክሳብ ክንድዚ ከምዝተዓገሰካ እምበር፣ ክንዲ ናይ እግዚኣብሔር ዝኣክል ጽድቂ ከምዘየብልካ፣ እረ ገና ኣብ ሱግመ ሓጢኣት ከምዘለኻ ይነግረና ኣሎ። እሞ ንመንኩም ደኣልና ክንኣምን፧ንዓኻዶ ወይሲ ንእግዚኣብሔር፧
''ሓጢኣት የብልናን'' እንተበልና፣ ንገዛእ ርእስና ንጥብር ኣሎና፣ እታ ሓቂውን ኣባና የላን። ሓጢኣትና እንተተናዘዝና ፣ ኣምላኽ እሙንን ጻድቕን ስለዝኾነ፣ ንሓጢኣትና ይቕረ ክብለልና፣ካብ ኩሉ በደልናውን ኬንጽሓና ኢዩ። ''ሓጢኣት ኣይገበርናን'' እንተበልና፣ ሓሳዊ ንገብሮ፣ ቃሉውን ኣባና የሎን። (1ዮሐ1፣8-10)''

ንሃዋርያ ዮሐንስ፣ ቤተክርስትያን ''ሓዋርያ፣ እቲ ጎይታ ኣዝዩ ዘፍቅሮ፣ ወደሞዝሙር ናይ ክርስቶስ፣ ሞት ከይጠዓመ ዝዓረገ ጻድቕ`` ዝብል ሽመት ከምዘለዎ ትኣምንን ትምስክርን።ውሉዳ ውሉደ ቤተክርስትያን ግን ብስድነት ድፍረትን፣ ``ኣነ ጻድቕየ፣ ኣነ ቅኑዕ`የ፣ ንዓይ ስምዑኒ፣ ኣነ`የ ሓቀኛ፣'' ኢሎም ዝዳፈሩን ንንስሓ መህደሚ ንምርካብ ሃሰው ዝብሉን  ውሉድ መታን ከይርከቡ'ሞ፣ ካብ መንግስቲ እግዚኣብሔር ተፈልዮም ከይነብሩ፣ ወትሩ ነፍሶም እንዳወቐሱን፣ '' ኣነ ድኹም ሓጥእ'የ፣'' እናሉ ገዛእ ርእሶም ዝወቕሱን ኣመንቲ ክህልዉዋ ትደሊ። እዚ ማለት፣ ሓጥእ ምኻንካ ተኣሚንካ ከተብቅዕ፣ ልዕሊ ሰበይ ሓቀኛ'የ በሃሊ እንተኾይንካ፣ ገና ንትዕቢትካ ብመለሳ ደኣ እምበር፣ ብንስሓ ኣይሸፈንካዮን። እግዚኣብሔር ግን ካባኻ ሓንቲ ነገር ይደሊ፣ ሓጥእ`የ እናልካ ክትነብር፣ ፐርከስ ክንድ ዝኣኸለ ጽድቂ ይሃልኻ፣ ምስ ናይ ፈጣሪኻ ዝመጣጠን ጽድቂ ግን የብልካን። ክንድ'ቲ እምባ ዝኣክል ሓቂ ይሃልኻ ኣይሃልኻ ብዘየገድስ፣ ምስ ናይ እግዚብሔር ናይ ባህርይ ሓቂ ግን ብጭራሽ ኣይዛመድን'ዩ ሓቅኻ፣ ነቲ ንስኻ ትብሎ ዘለኻ ሓቂ፣ እግዚኣብሔር ቅድሜኻ በጺሕዎ ከምዘሎ ምፍላጥ ከድልየካ ዩ። ስለዚ ምውጥዋጠ ኢድ ተዘድሊስ፣ ቅድሜኻ እግዚኣብሔር ብናይ ብይን ኢዱ ገይሩ ከዋጣውጥን ክፈርድን ምኸኣለ።እግዚኣብሔር ግን ዝደለዮ ነገር ብምህላዉ፣ ስቕ ኢሉ ተረኣኻዮስ፣ ልዕሊኡ ናይ ሓቂ ተሓላቒ ኮይንካ ክትረኣየና ትህርደግ ኣለኻ። ኣንታ ወገነይ፣ እግዚኣብሔርኮ ንጽድቅኻ ይርእዮ፣ እንታይ ክንዓብሰልካ ኢና ንዓና ስለዕብየትካ ትነግረና ዘለኻ፧

ስለዚ ጽድቅኻ ኣይትንገረና፣ ኣየድልየናንዩ'ውን፣ ምኽንያቱ፣ ''ኣነስ ሰናፍ ድየ''  ኢልና ብትዕቢት ከምእንለዓዓል ኢኻ ትገብረና ዘለኻ። ተኸኣልካስባ ኣበራትካን ድኻማታትካን ብትሕትና ንገረናሞ፣ ክንመሃረሉ። ፐርከስ ህላወ ጽድቅኻ ተጠቃምነቱ ንዓኻዩ፣ ስለጉድለታትካ ብድፍረት ምውራይ ግን ንተመኩሮ ክኾነና ተትነግረና ኣዝዩ ይጠቕመና ዩ። ካብ ጽድቅኻ ንምንጋር ብድፍረት ትለዓልሲ፣ ሓጢኣትካ ንምንጋር ተትደፍር ምበለጸ። ንእግዚኣብሔር ድማ ዳግማዊ ነብይ ዮናስ ምኾንካዮሞ፣ ኣብ ከብዲ ዓሳ፣ ቤተ ጸሎት መዳለወልካ ነይሩ። ስለኣበሳኻ ተዘይተዛረብካ'ውን፣ ''ኣበስኡ ዘይነገረና'' ኢልና ኣይነዕገርግርን። ምኽንያቱ ኩሉ ብይን ዝወሃበሉ ኣብ ቅድሚ ኩሉና ግልጺ ኮይኑ ብግህዶ ዝፍረደሉን እዋን ስለዘሎ፣ ንዑኡ ነቲ ፈራዲ ይኽበዶን ይቕለሎን።
"ኣነ ሓቀኛ'የ"፣ ኢልካ ምምዳር፣ ናይ ሓጢኣን ባህርይ'ዩ። ኣብ ግዜ ፍርዲ፣ እቶም ኣብ ጸጋሙ ዝቖሙ ሓጢኣን፣ 'ኪዱ ካባይ ረሓቑ፣ ምኽንያቱ ጠምየ ኣየብላዕኩምንን፣ ጸሚአ ኣየስተኹምንን፣ ዓሪቐ ኣይከደንኩምንን፣ ሓሚመ እግዚሔር ይምሓርካ ኣይበልኩምንን፣'` ዝብል ወቐሳ ምስ መጾም፣ ብጭራስ ከምዘይበደሉን፣ እካ ደኣ ነቲ ዝተበየነሎም ፍርዲ ይግባይ ክብሉን፣ ''ኣበይ ሓሚምካ ርኢናካ፣ ኣበይ ጠሚኻ፣ መዓስ ዓሪቕካ ርኢናካ፧'' እናሉ ስለጽድቆም ክራኸሩ ነንብብ። ንሱ እቲ ፈራዲ ክርስቶስ ግን፣ ብዘይሕብእብእ ንኹሉ ኣበሰኦም ብግህዶ የርእዮም፣ ንሓደ ካብዞም ዝሓመሙ ዘይበጻሕኩም፣ ንዝጠመየ ዘየዕንገልኩም፣ ንዝጸመአ'ውን ዘየርወኹም፣ ንዓይ ከምዝኸላእኩምኒ'የ ዝቖጽሮ፣ እናለ ይፋረዶም።

በንጻሩ ጻድቕ ሰብ ድማ፣ ክሳብ ግዜ ብርዱ፣ ምንም ግብሪ ጽድቂ ከምዘይገበረ ገና ብሕጂ ዝጎድሎ ከምዘሎ እንዳእመነ'ዩ ዝነብር። ኣብዚ ተማሳሳሊ ዘመነ ፍርዲ'ዚ፣ እቶም ጻድቃን፣'' ኣንቱም ብሩኻን፣ ንዑ ናብዚ ክቡር ዝኾነ ርስቲ ውረሱ፣'' ዝብል ምስጋና ምስተዋህቦም፣ እንታይ ኢና ገይርና ክንድዚ ምስጋና፣ መዓስ ኢና መጊብናካ፣ መዓስከ ሓሚምካስ በጺሕናካ፧'' እናሉ ነቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ግብረ ጽድቂ፣ ፈጺሞም ይዝክርዎ ከምዘይዘበሩ የረድኣና። ንሱ ግን ንኽልቲኣቶም ወገናት ነቶም ሓጢኣንን ነቶም ጻድቃንን ብግልጺ፣ ስለጽድቆም፣ ስለሓጢኣቶም ኣብ ኣደባባይ ይድርጉሓሎም።

እሞ ክቡር ሓወይ፣ ንዓና ስለጽድቅኻ ክትነግረና ኣየመልክዕን ኢዩ፣ ንዓኻውን ትዕቢት ከይኮነካ ጽቡቕ ኣይኮነን። ተሓሰብካዮኸ፣ ልዕለይ ኣምላኽ ኣሎ፣ ልዕለይ ጻድቕ ኣሎ፣ ልዕለይ ሓቀኛ ኣሎ፣ ንኹልንትናይ ዝምርምር ናይ ውሽጠይ ፈራዲ ኣሎ፣ ኢልካዶ ኣኮንካን እትኣምን፧ እንታይ ደኣሞ፣ ንርእስኻ ልዕሊ ካልኦት ጻድቕ ገይርካ ብምግላጽ፣ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ጎብለል ኬንካ  ክትረኣየና ትደሊ'ለኻ። ብኡኡ ክትምዘን ንዑኡ ናይ መዛንነት መዝነት ዘይትህቦ። ኣብዚ'ውን እንተኾነ ልዕሌኻ ክህልዉ ከምዝኽእሉስ እንታይ መርትዖ  ኣሎካ፧ ነብይ ኤልያስ፣ '' ኣነ በይነይ ኢየ ተሪፈ፣ ብዘይካይ ቅኑዕ የለን፣ ንዓይውን ክቐትሉኒ ይደልዩ ኣለዉ`ሞ፣ ብዓልኻ ውሰደኒ'' ኢሉ ንበይኑ ዓብይ ገይሩ ክሓስብን፣ ሞት ክልምንን ነንብብ። ሮሜ11፣3-4- ኣምላኽ ግን፣'' ገና ንስኻ ዘይትፈልጦም፣ ንጹሓን ንጣዖት ዘይሰገዱ ሓቀኛታት ተኸተልተይ፣ሾብዓተ ሽሕ ሰብኣይ ኣትሪፈ ኣለኹ።'' ኢሉ በይኑ ልዕሊ ሰቡ ጥራይ ንኣምላኽ ዘፍቅር ከምዘይኮነ፣ በንጻሩ እካ ድኣ ብዙሓት ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ዘለዉ፣ ካብ ነብይ ኤልያስ ግን ስዉራት ዝኾኑ ብዙሓት ጻድቃን ከምዘለዉ ኣረዲእዎ።

ስለዚ ዝኸበርካ ወገነይ፣ ነቶም ንስኻ ትኽእሎም ነገራት እንዳምጻኻ ስለዕብየትካ ኣይትንገረና፡ ብዙሕ ዘይትኽእሎም ነገራት ከምዘሎዉኸ ከመይ ትዝንግዕ'ለኻ፣ ዘይትፈልጦ ብዙሕ ኣሎ፣ ዘይበጻሕካዮ ነዊሕ ጉዕዞ ኣሎሞ፣ ትሕትናኻ ንገረና ክንመሃረሉ፣ ሓቢርና ትሕት መታን ክንብል።ጽድኻ ከተውርየልና ግን ንፈራዲኡ ክሰምዖ ይበልጽ።
ሕቱም-መጽሓፍ

torsdag 18. april 2019

ማህረምቲ ንዘይህረም

በስመ ስላሴ!
ማህረምቲ ንዘይህረም
ብርሃን ስጋ ሰብ ለበሰሞ ተሃርመ፡ ብርሃን ተቐንዘወ፡ ረቂቕ ደመየ፡ ኣምላኽ ተሰቕለ ገዓረ ድማ። ብማህረምቱ ማህረምትና ኣልገሰ፡ ብቃንዝኡ ቃንዛና ሓወየ፡ ብደሙ ደምና ተሓጽበ፡ ብስቕለቱ ካብ ስቕለት ወረድና። ቃንዛ ንብርሃን ኣይባህሪኡን ነይሩ፡ ምእንቲ ሰብ ክብል ግን ዝቕንዞ ስጋ ለቢሱ ተቐንዘወ። ኣምላኽ ከማና ከም ፍጡር ደም ለበስ ኣይኮነን፡ ምእንቲ ሰብ ክብል ግን ባህሪ ሰብ ለቢሱ ደመየ፡ ፈጣሪ ኣይቅንዞን'ዩ፡ ቃንዛና ከልግስ ተኾይኑ ግን ብቓንዛ ክከሓስ ነይርዎ። እዚ ድማ ብኣምላኽ ተዘይኮይኑ ብማንም ፍጡር ከልግስን ክከሓስን ዝኽእል ቃንዛ ኣይነበረን።
ስለዚ ፈጣሪ ብቓንዝኡ መታን ንቃዛና ከርሕቕ፡ እትቕንዞ ንጽሕይቲ ቅድስት ስጋ፡ ካብ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ስጋ ክወስድ ነይርዎ። ንመልአከ ገብሪኤል ልኢኹ ድማ "ኬድካ ለምና፡ ኣብ ማህጸንኪ ክሓድር፡ ስጋኺ ክለብስ፡ ንሰባት ከድሕኖም ፍታውኪ ድዩ?"
ኢሉ ፍቓዳ ክሓትት ለኣኾ። ኣብ ጅማሬኡ ድንግልናኣ ኣፍሪሱ ዝጥነስ መሲልዋ፡ ኪደቱ ንምርዳእ ስለዝኸብድ ሰፊሕ መንፈሳዊ ክርክር ምስቲ መልኣኽ ኣካየደት ድንግል።
"ትቤሎ ማርያም ለመልአክ፡ እፎኑ ይኩነኒ፡ ዝንቱ እንዘኢይአምር ብእሲ እፎኑ ይኩነኒ?" እዚ ከመይ ኢሉ ይኹን፡ ሰብኣይ ከይፈለጥኩ ከመይ ኢሉ ኣብ ማህጸነይ ክሓድር? በለቶ ድንግል። ንሱ ድማ፡ እቲ ምስጢረ ተዋህዶ፡ ብግብረ መንፈስ ቅዱስ ምኻኑ፡ ብብርሃናዊ ባህሪኡ ንዓኣ ክብራ ከይቀነሰ፡ እካ ድኣ ኣብርእሲ'ቲ ዝነበራ ክብሪ ክብሪ ወሲኹ ኣደን ድንግል ተባሂላ ከምእትጽዋዕ ገይሩ፡ ንሱ ድማ ኣምላኽን ሰብን ክኸውን ስጋና ክለብስ ምኻኑ ነገራ'ሞ፡ "ከምቲ ዝበልካዮ ይኹነለይ" ኢላ ፍቓደኝነታ ኣረጋገጸት። ኣብዚ እነሀ ኣብ ጉዳይ ድሐት ደቂ ሰብ እጃምካ ምብርካትን ተሳታፊ ምኻንን!!
በዚ ድማ ከም ቅጽበት ዓይኒ፡ ብርሃንን ስጋን ኣብ ማህጸነ ድንግል ሓደ ክኾኑ ጀመሩ። ብርሃናዊ ባህሪ ኣምላኽ ረቂቕ ስዝኾነ፡ ኣይተሓዝ ኣይዕተርን'ውን። ምእንቲ ሰብ ክብል ግን፡ ኣብ ማህጸነ ድንግል ተወሰነ፡፡ ብጨርቂ ተጠቕለለ። ኣብ ሕቕፎ ድንግል ተሓቕፈ። መምህር ክንሱ፡ ብመምሃራን ክመሃር ናብ መምህር ከደ። ብርሃን ከም ኩሉ ስርዓተ ተፈጥሮ ናይ ሰብ ዓብዩ ጎበዘ። ኣስተምሃረ፡ ብግብሪ ድማ ነቲ ዝመሃሮ ኣርኣየ፡ ጾመ፡ ጸለየ፡ ሰገደ። ኣብ ዝባነ ገልገል ብውሱን ኣካል ተወሲኑ ተወጥሐ፡ ብኢድ ኣይሁድ ተታሕዘ።
ኣይሁዳውያን "ንሕና ከም ናይ ግብጻውያን ዝረኣዩ ዝተሓዙ፡ መሪሖምና ዝኸዱ ኣማልኽቲ ስለእንደሊ፡ ኣማልኽቲ ግበረለልና!" እናሉ ንካህን ኣሮን ዘሸገሩ ኣቦታት ከምዝነበርዎም ይፈልጡ ኢዮም። ስለዚ ክርስቶስ ምእንተኦም ክብል ከም ድላዮም ኮነሎም። ዝተሓዝ ኮይኑ ብፍታዉ ኣብ ኢዶም ወደቐ፡ ሓንሳብ ናብ መጋባእያ እንሓንሳእ ድማ ናብ ፈራዲ እናሉ ብገመድ ኣሲሮም ላዕልን ታሕትን ኣበልዎ። ንሳቶም ዝሓሰብዎ፡ ሰቒሎም ከቃብጽዎ፡ ንሱ ግን ካብ ስቕለት ንኽወርዱ ይዓዪ ነይሩ። ኣየ ስራሕ ፈጣሪ!!
ብፍቓዱ ኣብ ኢዶም ከምዝኣተወ፡ "ኣነ ኢየ!" ኢሉ ምስ መለሰ፡ ሰለስተ ግዜ ናብ መሬት ጻሕ ከምዝበሉ ግን ኣሻቦም ረሲዖሞ፡፡ ዘይድፈር መልኮት ምኻኑ ዘንጊዖምስ፡ ኣብ ልዕሊኡ ጀጋኑ ክኾኑ ሃቀኑ።
ክርስቶስ ግን ብርሃን'ዩ፡ ብዘይኦፕሬሽን ኣብ ልቢ ወዲ ሰብ ኣትዩ ዘብርህ፡ ዘልኣለማዊ ሕይወት'ዩ፡ ንሞት ከም ኢምንት ዝርኢ፡ ተፈራሂ ኣምላኽ'ዩ፡ ንኹሉ ግብርታት ልቢ ኣንቢቡ ዝዳኒ፡ ፈጣሪ'ዩ፡ ብዘይብኡኡ ማንም ፍጡር፡" እገለ ፈጢርኒ" ኢሉ ዝንየተሉ ዘየለ፡ ካብ ስሉስ ቅዱስ ሓደ ኣካል ወልድ ኢዩ፡ ካብ ስላሴ ኣይንእስ ኣይዓቢ። ስሙ ይመስገን!
ነዚ ባህርዩ ንምርድኡ ሕጂ ዝተዋህበና ኣእምሮን ሕልናን ቁንጣሮ'ዩ፡ ዳሕራይ ኣብ ምጽኣቱ ግን ከም መልኣኽቲ፡ ከም ቅዱሳን ኮይንና ከም እንርእዮ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እግዚኣብሔር ኣብ ሲኦል ስዉር ረመጽ'ዩ፡ ኣብ መንግስቱ ግን ኣፍቀርቱ ብዝርድእዎ ብግህዶ ዝቕደስን ዝምስገንን ገናና ኣምላኽ'ዩ።
"ንእዚኣብሔር ሓንቲ ነገር ይልምኖ፡ ጽባቐ ገጹ ክርኢ!"
ወረስቲ መንግስቱ ክገብረና ሰናይ ፍቓዱ ይኹን።

torsdag 21. mars 2019

ምስንኻል

ምስንኻል!!

በስመ ስላሴ ነንብቦ።
ንስኻ ክትሰናኸል ከምእትኽእል ትፈልጥ ኢኻ፡ሰንኪ'ቶም ኣሰናኸልትኻ ድማ፡እግዚኣብሔር ንኣሰናኸልትኻ ከቢድ ቅጽዓት ቀሪብሎም ከምዘሎ እንከመልክት፡መጥሓን ዝተኣሰሮ ኣድጊ ንባሕሪ እንክጥሕል ንዘሎ ክብደት ኣመዛዚኑ እንክዛረብ፡ቅጽዓት ናይቶም ኣሰናኸልቲ እምበሺ ከቢድ ምኻኑ ምትንብሁ ኣጸቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ።ወገነይ እቶም ንዓኻ ዘሰናኸሉ ኣሰናኸልቲ፡ክንድዚ ዝኣክል ቅጽዓት ክቕጽዑ ምኻኖም ካብ ፈለጥካምበኣር፡ንስኻውን ኣሰናኻሊ ካብ ምኻን ተጠንቀቕ።ምኽንያቱ ንስኻ'ውን ሳግላ እካ እንተኾንካ እንተዘይተተኺልካስ ኣይክትነሓፍን ኢኻ።
ሓደ ክዝሙ ዝተቐረበ ሰብ ናብ ቤት ዝሙት ክኸድ ክብል እቲ ገዛውቲ ስለዝተደናገሮ ኣብቲ ከባቢ  ምስ በጸሐ ድንግርግር ክብል ንኣኻ ኣብኡ ኣብቲ ከባቢ ስለእትቕመጥ፡ኣብ መንገዲ ረኸበካሞ፡" ኣብዚ ከባቢ ዘላ ቤት ዝሙትሲ ኣበይ ኢያ ዘላ?" ኢሉ ሓቲቱካ ንብል።ነዚ ሰብዚ ምተሓባበርካዮዶ ወይሲ ምኸላእካዮ፧እዚ ሰብዚ ብዝሙት ዝተሰናኸለ ሰብ ኢዩ።ስለዚ ክዝሙ ብምኻኑ ከቢድ ክጽዓት ተቐሪብሉ ኣሎ።ክዝሙ ደልየሞ ተሓባበረኒ ምስበለካ ድማ፡እንተተሓባቢርካዮ፡ተሓባባሪ ዝሙት ብምኻንካ እጃም ቅጽዓትካ ክትቅበል ኢኻ።ጽባሕ ንግሆ እቲ ዘማዊ፡ብእግዚኣብሔር" ስለምንታይ ዘሚኻ" ተባሂሉ ምስተሓተተ፡" ኣነስኮ እታ ገዛ ኣይረኸብክዋን ነይረ፡ንስኻ እግዚኣብሔር ስለዝሰወርካያ ነታ ናይ ዝሙት ቤት ስኢነያ ኢየ ነይረ፡እዚ ናትካ ኣገልጋሊ ዝኾነ፡ንዝሙት ዝጽየፍ ሰብ ግን ነታ ገዛ ኣብ ጎረቤቱ ስለእትረከብ ይፈልጣ ጸኒሑ ሓቢርኒ፡ኣነ ድማ ካብ ዝሓሰብክዎ ንድሕሪት ኣይበልኩን። ተዘይሕብረኒ ግን ኣይምዘመኹን።" ኢሉ ክኸሰካ ክለዓል ኢዩ።
እሞ ወገነይ ነዚ ኣብ ሰንከልከል ዘሎ ብጻይካ፡እንተኻኣልካ ካብ ውድቀቱ ከተተንስኦ ጽዓር እምበር፡መሊሱ ክወድቕ ኣይትድፍኣዮ።ንስኻ ነቶም ንክጸድፉ ኣብ ቀረባ ዘሎዉ ስንኩፋት ሰባት፡ ስሒብካ ካብ ምጽዳፎም ክትስሕቦም እምበር፡ክትንውንዎም ኣይተጸዋዕካን።እግዚኣብሔር አእጃምኩም ክኸፍለኩም ኢዩ።ንሱ ክወድቕ ኢሉ ስለዝተሃንደደ፡ንስኻ ድማ በዚ ኣሎካ መጽደፊ ኢልካ ንኽጸድፍ ስለዝተሓባበርካዮ ክልቴኹም ንፍርዲ እግዚኣብሔር ተቓሊዕኹም ኣሎኹም። እትነሓፈሉ መገዲ ደኣ ኣናዲምበር ንጥፍኣትካ ኣይተቀላጥፍ።ፍርዲ እግዚኣብሔርኮ መዳለዊት ኣይኮነት።ኣብ ፍርዲ እግዚኣብሔር ነግ ፈረግ ዝብሃል የለንሞ፡ብሰንኪ ኣሰናኽልነትካ ብዙሓት ከይሰናኸሉስ ወትሩ ተሓሎ።ኢድ እግዚኣብሔር ነቶም ዝተሰናኸሉን ኣሰናኸልቶም ክትቀጽዕ ንዕለተ ምጽኣት ትጽበ እነሃ።ኣዳም ምስ ተሰናኸለ በይኑ ከምዘይተቐጽዐ ትፈልጥ ኢኻሞ፡ከይትሰናኸልን ከይተሰናኽል ጥንቁቕ ኩን።
እግዚኣብሔር ስለኩሉ ውዕለቱ ይመስገን

lørdag 16. mars 2019

ነመስግነካ! (እዚ ጽሑፍ'ዚ ካብ ቋንቋ ዓረብ ዝተተርጐመ'ዩ!)

ነመስግነካ፣
በስመ ሥላሴ!

ኦ ርህሩህ ኣምላኽና ነመስግነካ፣ንነብር ስለዘለና ነመስግነካ፣
ነዛ መዓልቲዚኣ ስለዝኣተናያ ነስግነካ፣
ነመስግነካ ጎይታ ስለሰታርነካን
ደገፍካናን።ኣቦና ስለዝኾንካ ነመስግነካ፣
ከማኻ ዝኣመሰለ ኣቦ ድማ የብልናን ስለቲ ብዙሕ
ግብርኻ ነመስግነካ፣
ክንዮቲ ዝሓተትናካን ዝሓሰብናዮን ኣዕዚዝካ ስለዝገበርካልና
ነመስግነካ።
ኩሉ መዓልቲ ነመስግነካ ጎይታ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ህላወናናን፣
ኣብ ነፍሲ ወከፍ እንንቀሳቐሰለን ሰዓታትን ነመስግነካ።
ንኹሎም ጸገማትናን ሽግራትናን ስለእትፈትሓልና ነመስግነካ።
ኣብ ሽግራትን ቅጽዓትን ዕጉሳት  ስለዝገበርካና ነመግነካ፣
ነገር ግን ሳህልኻን ምሕረትካ ንኹልትናና ከቢብና ዩ ዘሎ።
ወትሩ ድኹማትን ስኡናትን እካ እንተኾንና፣
ብዓቕልኻ ስለእትጽበየና፣ከይነዓቕካ ከም ጥቕሚ ዘየብሎም
ገይርካ ስለዘይረኣኻና ነመስግነካ ኦ ጎይታ።
ኦ ጎይታ ኣዚኻ ስለእትከናኸነናን፣ንፍቕርና ስለእትሕልዎን ነመስግነካ።
ካብ ፍለጻን ተንኮልን ሰይጣን ስለእትሕልወና ነመስግነካ።
ቤተክርስትያንካን መንበሪ ገዛናን ሃገርናን ስለዝኸፈትካልና
ነመስግነካ።
ብምሕረትካ ካብ ኩሉ ጸረ ሰናያት ስለዝኸለልካያ ነመስግነካ።
ኣብ ዘመንና ብዛዕባ ታርኽካ ዘዘንትዉን ንመንገድኻ
ዘርኡዩን ሰባት ስለዝለኣኽካልና ነመስግነካ።
መምሃራን ናይ መምርሒ ሕይወትና ዝኾኑ ሰባት ኣብ
ዘመንና ስለዝገበርካ፣
ትዕግስቲ ዝምህሩ ሰባት ስለዘምጻኻ ነመስግነካ።
እነገልግሎም ሰባት ስለዘዳለኻልና ነመስግነካ።
ንዐኦም ብምግልጋልና መንግስተ ሰማያት ከምንወርስ
ስለዝገበርካ ነመስግነካ።


ነመስግነካ ኦ ጎይታ ንኹሉ ቃላትካ መዝሙራትካን እትልእኸልና፣
ተኣኪብና ከነመስግነካን ክንዝምረልካን ስለዝገበርካ ነመስግነካ።
ነመስግነካ ኦ ጎይታ፣እነስተንፍሶ ኣየርን፣እንንቀሳቐሰሉ መሬትን
ስለዝሃብካና።
ከማና ሰባት ኣብ ሲኦል ኣሎዉ፣ናይ ምምላስ ዕድሎም ተወዲኡ፣
ክምለሱ ብዘይምኸኣሎም ብኸመዚ ተቐጺዖም።
ኣዚና ድማ ንነብዓሎም።ንሕና ግን ኦ ጎይታ ከነመስግነካን፣
ክንባርኸካን፣
ናባኻ ክንምለስን ዕድል ኣሎናሞ ነመስግነካ ኣሎና።
ኦ ርህሩህ ኣምላኽና፣ቁጽሪ ዘየብሉ ሓጢእና ኢናሞ ይቕረ ግበረልና፣
ብዙሓት ዕድላት ስለዝኸሰርና ይቕረ ግበረልና።
ኦ ኣምላኽና ካብ ጸሎት ነዊሕ ምርሓቕና ኣዚና ከሲርና ኢና።
ንቃላትካውን ብዙሕ ከሲርናዮ ኢና።
ንኣገልግሎት ብዙሕ ከሲርናዮ ኢና፣ንዓኻ
ብዙሕ ብዘይምግልጋልናውን ነዊሕ ከሲርና ኢና።
ኦ ጎይታ ንሕና ኣባጊዕካ ተታሊልና ኢና፣ኩሉ ድማ ነናብ
መንገዶ ወሲዱና።
ካብ ቤትና ካብ ልብና ሸፊትና ኢናሞ፣በቲ ዘይውዳእ
ምሕረትካ ይቕረ ግበረልና።
ንሓጢኣትና፣ስሕተትና ድኻማትና ንኹሉ ትሪ ልብና ይቕረ ግበረልና፣፣
ኣብ ውሽጥና ዘለዉ ትምክሕትታት ኩላቶም ኢምንት ክኾኑ ኢዮም።
ኦ ጎይታ ልሳንና ብዙሕ ከምእንኸስር ስለዝገበረትና ይቕረ ግበረልና።
ርእስና ካባኻ ዘርሕቑ ብዙሓት ዓይንታት ሓሳባት ብሰንኪ ምምላእና፣
ብዙሕ ከሲርና ኢናሞ ይቕሬ ግበረልና።
ብዙሓት ኣብ ልብና ክንዓቕሮም ዝግበኣና ስለዝኸሰርናዮም
ድማ ይቕረ ግበረልና።
ይቕረ ግበረልና ኦ ጎይታ፣ ንመሎኮትካን  ኣብዛ ዓለም
መጺኻ ዝደመኻዮ፣
ዝቖሰልካዮን ባህርኻን ስለዘየድነቕናዮ።
ነቲ ኣብ ውሽጥና ኮይኑ ከም እንጽሊ ዝገብረና
ዘሎ መንፈስ ቅዱስካ ስለዘሳደድናዮ ይቕረ ግበረልና።

እምኒ ዝኾነ ልቢ ድማ ንኻልእ ከመይ ገይርካ
ከምዝፍቀር ኣይፈልጥን ኢዩ።
ኦ ኣምላኽ ኣባና ምሕረትካ ልኣኽሞ፣ካብ ድኻምን
ትህኪትን አድሕነና።
ኦ ጎይታ ምሕረትካ ልኣኽሞ፣ካብ ድንዛዘን ብዕዛዘን ኣድሕነና።
ኦ ጎይታ ንጸላኢና ከመይ ገይርና ከምእነፍቅሮ ኣይንፈልጥን ኢናሞ፣
ሓይልኻ ልኣኽ መታን ክረድኣና።
ሓደ ሓደ ግዜውን ምስ የሕዋትናን ኣሓትና ከመይልና
ከምእነፍቅሮም ኣይንፈልጥን ኢና።
ኦ ጎይታ ምሕረትካ ካባና ከይርሕቕ ርድኣና።
ዝያዳ ነፍቅረካ ተንህሉስ ንሳህልኻ ምረኣናዮሞ፣
ኩሉ ቀሊል ኮይኑ ምተራኣየና ነይሩ።
ኦ ርህሩህ ጎይታ፣ኣብዛ ዓመት ዝተረፈና ሰናይ ነገራት መልኣልና።
ካብ ዝሓለፈ ብዝበለጸ ናባኻ እንምለሰሉ ዓመት ግበረልና።
ዋላ እንሰርሓሉ ዓመትውን እንተኾነ ቅኑዕ
ስራሕ እንሰርሓሉ ዓመት ግበረልና።
ከምቶም ኣብ መበል 11 ሰዓት ተዳልዮም ዝጸንሑ ክንከውን
ግበረና።
ኦ ኣምላኽ ንዓኻ እተፍቅር ሓዳሽ ሕይወት ሃበና።

ካብ ኩሎም መዓልትታት ሕይወትና ነፍስና እትሕጎሰሉ
ዕለት ግበረልና።
እዚ ድማ ከመይ ኢልና ቅኑዕ ዕዮ ከምእንዓዪን፣
ቅኑዕ ሕይወት ከምእንመርሕን ክገብረና ኢዩ።
ኦ ኣምላኽና ካብ መጀመርያ ንምጽላይ መሃረና።
ከመይ ኢልና ከምእነፍቅረካ መሃረና።
ብዘይካኻ ካልእ ንኸይንርኢ መሃረና፣ንዓኻ
ካብ ምርኣይ የዒንትና ከይንኽልክል ድማ መሃረና።ን
ዓኻ ኣብ ቀዳማይን መወዳእታን ቦታ ከነቐምጠካ መሃረና።
ነተን የእዳውካ ክንሕዘንን ከይንፍንወንን መሃረና።
ትሕት ኢልና ንክንሰግድ መሃረና።ኦ ጎይታ ወሓዚ
ንብዓትን ሕጹብ ሕልንናን ንክህልወና መሃረና።
ናባኻ ከመይ ኢልና ከምእንለግብ መሃረና፣እዚ
ድማ እቲ ዝበለጸ ምግባርና ክኾውን'ዩ።
ንነፍሲ ወከፍ ቃላትካ፣
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ፍጻመታትካ ድምጽኻ
ከመይ ኢልና ከምእንሰምዖ መሃረና።
ኣብ ኩሉ ሕይወት ዕድሜና ሕጉሳት ንክንከውን መሃረና።

ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤትካ ስለዘለናን ዉሉድካ ስለዝኾንናን
ድማ ነመስግነካ ኣሎና።
ኦ ጎይታ፣ማራኺት መንግስትኻ ኣብ ሕልና ልቦናና
ከምእትህሉ ግበረልና።
ንኹሎም ቅዱሳንካ ከምእነፍቅሮምን፣
ዕለት ዕለት ድማ ብጸሎቶም ከምእንርእየካን ግበረና።
ንሕልናና፣መንፈስና፣ኣካላትና፣ልሳንና የዒንትናን
ሓሳባትናን ከም ንክቆጻጸሮም ሓግዘና።
ኦ ጎይታ ደረጃና ክንሕሉ፣ናብቲ ዝለዓለ
መንግስትኻ ድማ ክንኣቱ ሓግዘና።
ኦ ኣምላኽ፣ነቲ ናይ ሃድን ሰኪዐትና ክንድርቢ፣
ንኹሉ ነገራት ሓዲግና ድማ ንዓኻ ክንስዕብ ሓግዘና።
ኦ ጎይታ ካብ ኩሎም ዘፍርሑ ነገራት ሓራ ግበረና።
ኦ ጎይታ ካብ ቅጽዓታትን ፍርድን ሓራ ግበረና።
ካብ ሕሱምን ንሰባት ካብ ምፍራድን ሓራ ግበረና።
ኦ ኣምላኽ ንሰባት ብየዒንትኻ ንክንርእዮም፣
ከም ናይ ልብኻ ድማ ክንርዶኦም፣
ብሓሳብካ ክንሓስቦም፣ብየእዳውካ ድማ
ከነገልግሎም መሃረና።ከምቲ ንስኻ ንዓና ክትብል ዝነበርካ፣
ንዖኦም ክንብል ክንነብር መሃረና።

ኦ ኣምላኽ ንዝሓለፈ ዓመትና ኣስተኻኺልካ ርኣየልና፣
ብጽቡቕ ከምንጅምር ድማ ግበረና።
በቲ ዘይውዳእ ጽቡቕ ነገራትካ ገይርካ `ውን ነዛ ዓመትዚኣ፣
ነቶም ድኻታት፣ንዘኽታማት፣
ስደተኛታትን ገያሾን ህዝብኻ ባርኽ። ንሕና ኩሉና
ነቲ ቅዱስ ስምካ እንዳጸዋዕና ንልምነካ ኣሎና።
ምኽንያቱ ኩላተን የዒንቲ ናባኻ ኢየን ዘንቅዓርራ፣
ኩለን ቤተክርስትያንካን ህዝብኻን'ውን ንናትካ ባርኾት
ኢየን ዝጽበያ።
ኦ ኣምላኽ ንሃገርና ተኸላኸለላ፣ብሳህልኻ ድማ ከልላ።
ንመራሒናን ንኹሎም ሓላፍነት ዝተሰከሙን ዘክሮም።
ኦ ጎይታ ንቤተክርስትያናትና ዘክረን፣ብምሕረትካን
ሳህልኻን ድማ ከልለን።
ንፓትርያሪክናን ኩላቶም መራሕትን ጳጳሳትን ዘክሮም።
ንህዝብኻ ክመርሑ ድማ ዓወትን ኣሳልጦን ሃቦም።
ኦ ጎይታ ነቶም ምሉእ ዓለም ዘለዉ ተኸተልትኻ ዘክሮም፣
ምሕረትካ ድማ ንኹሎም ለኣኸሎም።
ኦ ጎይታ ነቶም ድኻታት ህዝብኻን ምንም ዘየብሎም
ስኡናትን ዘክሮም።
ብዘይካኻስ ካልእ የብሎምን።ኦ ጎይታ ንእሱራትን
ሕሙማትን ዘክር፣ነቶም ዝተጨውዩን ዝተሓየሩን፣
ኦ ጎይታ ነቶም ኣለቃሕቲ ወሃብቲ፣ካባኻ ዝጽበዩን፣
ስነምግባራውያንን ዘክሮም።ነቶም ዘይኣምኑኻን፣
ኣባኻ ጽኑዕ እምነት ዘየብሎምን፣
ኦ ጎይታ ንኹሎም'ቶም ኣብ ቅድሜኻ ኮይንና ክንጽልየሎም
ዝሓተቱናን ዘክሮም።
ንኩላቶም ተጓዓዝትን ካብ ቤቶም ዝወጹን፣
ንኹላቶም ካባኻ ዝሸፈቱ መንእሰያትን፣ነዞም
ኣብዚ ከቢድ ዘመን ዝተወልዱ፣
ናባኻ ንምምጻእ ዝኸብዶም ዘለዉ ህጻናት፣
ኣብ ኩላቶም ምሕረትካን ረዲኤትካን ልኣኽ።

ንኹላቶም ካህናትና ዘክሮም፣ቅዱሳንካ ልኢኽካ ድማ
ኣገልግሎትካ ከምዝከናወን ግበሮ።
ምኽንያቱ ብዙሕ ኣገልግሎት ኢዩ ዘለካ፣ኣቶም ዓየይቲ
ግን ኣዝዮም ውሑዳት ኢዮም።
ንህዝቢ መመሊስና ከነፍቅሮም ኣበራትዓና።
ምሳኻ ቆጸራ ንክንገብርን ክንረኽበካን ኩሉ ግዜን ኩሉ
ኣሐይለና።
በረኸት ናይታ ረዳኢትና ዝኾነት ድንግል ኣዴና፣ብረኸት ናይ ኣቦና ሃዋርያ ማርቆስ፣
ኣቦና ኣብርሃም ናይ ኩሎም ቅዱሳንካን ባርኾት ኣይፈለየና።
ምስ ምሉእ ምስጋናኻ ናባኻ ክንጽሊ እንከለና ስምዓና።
ነቲ ቅዱስ ስምካ ድማ ከምዚ ኢልና ንጽውዖ ኣሎና።

ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና....


onsdag 20. februar 2019

ምንባር

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ።

ምንባር

ምንባር ንዓኻ እንታይ ኢዩ፧ ነዚ ሞይትካ እንከለኻ ምንባር ዲኻ ምንባር ኢልካዮ፧ ብዙሓትኮ ህልዋት ክንሶም ንዘልኣለም ዝነብሩ ኣሎዉ፡ብዙሓት ድማ ህልዋት ኢና እንዳበሉ፡ምውታን ኮይኖም ዝነብሩ ኣሎዉ።ምንባር ብምርጫ ድኣምበር ተዓዲልካ ብትካቦ እትነብሮ ኣይኮነን።ክትፍጠር እንከለኻ፡እቲ ዝሰርሓካ ፈጣሪ፡ንስኻ ገና "ኣእዛን ፍጠረለይ፡የዒንቲ ግብረለይ፡መልሓስ ኣብ ትንሓገይ ኣቐምጠለይ፡መታን ክበልዕ ኣስናን ግበረለይ ወዘተ" ኢልካ እንከይለምንካዮ፡ነዞም ነገራትካ እዚኣቶም ኣጣጢሑ ኣብ ምንባርካ ወሳንነት እጃም ንክትህብ ምሉእ ዕድል ሂቡ ናብዛ ዓለም ኣምጺእካ ኢዩ።ድሕሪኡ ዘሎ ንምንባርን ንሞትን ምሕራይ ግን ናባኻ ኢዩ።ድማ ኣብ ዝማእማኣካ መሪጽካ ምንባርን፡ሓላፍነት ክትስከመሉን እቲ ዕድል ምርጫ ነዓኻ ተዋሂቡ ኣሎ። ሕጂ ንስኻ ይነብር ኣሎኹ ትብል ኣሎኻ።ፈጣሪኻ፡ምንባር ኢሉ ዝሰምዮ ግን ከመይ ዓይነት ምንባር ምኻኑ ኣይትዝንግዖን ኢኻ።ዋላ ንዓይ ንኸማኻ ሰብ ይነብር ኣሎኹ ኢልካ ከተታልለኒ እንተፈትንካ፡ንውሽጥኻን፡ነቲ ንናይ ውሽጥኻ ሕሹኽታ ዝሰምዕ ፈጣሪኻን ግን ከተሽክዕ ኣይከኣለካን ኢዩ።

እሞ ኦ ወገን፡ሞይትካ እንተሊኻ፡ተንስእ ተበራበር፡፡ ኣሽንካይዶ ንስኻ እዚ ንናይ ሂወት ምምራጽ ዕድል ንስሓ ዘለካሰብ ክትነዓቕሲ፡ኣብ መቓብር ካብ ዝቕበሩ ንዝቡሕ መዓልትታት ዝገበሩ እካ ኣይተናዕቁን።እረ "ሬሳዩሞ ከይጨንወና" ኢሎም ኣፍንጨኦም ዝዓበሱ፡ፈጣሪ ግን ብስሞም እኽቢሩ ዝጸውዖም ብዙሓት ከምዘለዉ ከመይ ዘንጊዕካዮ!! በል ኮንቱ ምኽንያት ገዲፍካ ካብ ሙማትካ ተንስእ።ንሱ ከተንስኣካ ኣይእግሞን ኢዩ።ንስኻ ጥራይ ፍቓደኝነትካ ግለጸሉ።ነዚ ኣምላኽካ ክትትንስእ ምስትፍትን ድቃስ ኢሉ ኢዩ ዝሰምዮ፡ትነብር ተሊኻ ድማ፡ኣነባብራኻ ለውጢ ግበረሉ፡ዓምን ሎምዘመንንን ሓደ ዓይነት ናብራ ክህልወካ ኣይትምረጽ፡ፐርከስ ንስኻ ካብ ባዶነት ናብ ምልኣት ቅድስንኡ ንኽትበጽሕ ዝተዓደምካ ናይ ፈጣሪኻ፡ክቡር ጋሻ ኢኻ።ኣብ ቅድሜኻ ብዙሕን ዘይምኖን መኣዲ ተቐሪቡ ኣሎ።አረ በሊዕካዮን ሰቲኻዮን ዘይምኖ ጥዑም ናይ ሂወት መኣዲ!! ነዚ ተሓሲምካ ብቅጫን፡ሽሮን ጥራይ ክነብር ይኽእል ኢየ፡ትብል እንተኮይካ ግን፡ጾምካ እረ ኣብ መካነ ምውታን ተቐቢርካ ምህላውካ ተገንዘብ።መጽሓፍ" እቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ ሕብስቲ ኣነ ኢየ፡ብልዐይ ብልዒ ሓቂ፡መስተይ ድማ መስተ ሓቂ ኢዩ።" በለ።(ዮሐ6) ንዘሎ ኣንብቦ።ኣብኡ፡ስጋይ ዘይበለዐ፡ደመይ ዘይሰተየ፡ናይ ዘልኣለም ሂዎት የብሉን፡ዝብል ጽሑፍ ከተንብብ ኢኻ።በል ኣንታ ክቡር ንብረት ናይ እግዚኣብሔር ዝኾንካ ሓወይ፡ምንባር በዚ ብልዒዚ፡በዚ መስቲ ደኣምበር፡ብጥብስን ጮማን ጥራይ ኣይትምዘንን ኢያ።ከምኡ ተትኾውን እሞ፡ፈጣሪኻ ናብዛ ዓለም ስጋኻ ለቢሱ ምምጻእ ኣይመድለዮን።ዓንተቡኡውን እዛ ዓለምና ስጋን ጮማን ሕምቶንሲ ኣይተነፍጋን ነይሩ።

በል ተንስእ ስምካ ካብ ናይ ምውታን መዝገብ ተፋሒቑ ክድምሰስ መታን፡ናብ ሂወት ምረጽ።ሽዑኡ ጎይታኻ፡" ወደይ ሞይቱ ነይሩ ተንሲኡ፡" ኢሉ ፈጣሪኻ ብኣኻ ክሕበን ክጅምር ኢዩ። ክትትንስእ ኣንከለኻ ግን ነቲ መሪጽካዮ ዝነበርካ ናይ ምውታን ስነምግባራት ፈጺምካ ፈንፍኖ።እዚ ግብረ ምውታንዚ፡ንዓኻ መሊሱ ናብቲ ዝነበርካዮ ሞት ዝወስድ እምበር፡ኣብ ህላወኻ ቁንጣሮ እጃም የብሉን።
ወስብሀት ለእግዚኣብሔር።

ኣነ ግዳ ውሉድካ ንክናኣናዊት'ኳ ዝመሓርካ...

 በስመ ሥላሴ ኣብራም'ዩ ግብረይ ኣብ ካራን ምንባረይ ሃብታም'ዩ ሰፈረይ ብዘመናዊ ስራይ ኣብኡ'የ ዝወድቕ ይሃጥር ብስጋይ ሓሽከት ሓጣውእ ይበራረዩለይ ገንዘብ ሶዶም ክኸስብ ገንዘብካ ይስእኖ እናሻዕ ይንኖ...