ሥላሴ ትትረመም ወትትነከር(4)
![]() |
| ካብ ኣምሓርኛ ዝተተርጎመት መዝሙር |
![]() |
| ካብ ኣምሓርኛ ዝተተርጎመት መዝሙር |
ኦ ድንግል!
ማሕዘልኪኮ ነቢዑ
ዘይሕዘል ስለዝሓዘለ
ዘይክደን ስለዘዕቀለ
መከራኺ መከራ ፈጣሪኡ
"ዬ!ዬ!ዬ!" ይብል ኣሎ ረሪኡ
ጽምእኺ'ዶ ኣይኮነን ጽምኡ
ካባኺ 'ንድዩ መጺኡ
ከመይ'ሉ ድኣ ይቕንዞ ዘይከምኣቡኡ
ነፍሱ ስግኡ ኲልትናኡ
ንስኺ ባዕልኺ 'ንዲኺ ኣዴኡ
እንታይ ኣብከየኪ ኣክንኡ
ጽምኣት ናይ'ቲ ዘርዊ
ቃንዛ ናይቲ ዘሐዊ
ዶኾን ኮይንኪ ይኸውን በሊሕ ቀስታዊ
ንብዓትኪ ናብ ምዕጉርቱ
የዕይንትኪ ናብ ስቅያቱ
እንክርእያ ደኣ 'ታይ በሉ'ቶም ሸፋቱ"
ይብል ኣሎ ማሕዘል
ብስቕታ ይትክዝ ይሓዝን
ኣሳእን 'ናተወሰዳ
ስቕ'ሉ ክሓዝል
ኣበይ ክወሓጠሉ
ብርሃጹ ክጠልል
ንብዓት ፈጣሪኡ ከመይ'ሉ ከዐቊር
"ገለ 'ንተኾንክዎ!" ክብል
'ዚ ማሕዘል
ንጽሓይ ገሪፉ
ጎሮሮ ከጥልል
ኣብ ዝባንኪ ኣንጺፉ
ወድኺ ብዕጽፉ
ንሕጻንኪ ወንዚፉ
'ቲ ዘርዊ ካብ ጽምኡ
ክርኢ ኣዕሪፉ
እዩ ማሕዘል ሃረርትኡ፡
ኣየ ጥበብ ማሕዘል!
ክንዲ ኮቦርታ ክንዲ ጽላሉ
ክንዲ ዛሕሊ ክንዲ ጠሉ
ብቕዓት ድዩ'ዝስ ንፈጣሪ ምሕዛሉ
ይነብዕ ኣሎ ማሕዘልኪ
"ቤዛ ኲሉ ክንድዝኾንኪ
ተሳኢኖም ዝነብዓልኪ"
እናለ ይበኽየልኪ
"ዬ! ዬ! ዬ!"
ይብል ድማ ኣነ
ለውሃትኪ ኣሚነ
'ታይ ይሰኣነኪ
ጾሎትኪ ማሕዘለይ'ተኾነ
ልበይ ደኣ ኣሻቡ ይዳነ
እምበር ብቐደሙስ ኣነ
ኣበይ'ከ ኢለዮ
ነቢዒካ ምሕጎስ መዓስ ፈቲነዮ
ሕጻን'ዩ ምግባረይ ብሓጢኣት ዝሸምገለ
ብንግሁኡ'የ ካብ'ንዳ ኣቦይ ኮብሊለ
ኣብ ስደት ክበልስ
'ኔኹ ሎም ጽባሕ'ለ
"ልብኺ ግና ንልበይ ሰሚዑ
ኣሻቡ ናብ ላዕሊ ጠሪዑ
ሕሹኽታይ ተሰሚዑ
ጸሎትኪ ኣድሚዑ
ለውሃትኪ ዘይቅርዑ
ክጥንጥነንሞ ሓሰማ
ኣብጺሕኒ ናብ ጥፍሑ"
'ናልኩ ክናሳሕ
ክቕረብ ናብ ምሳሕ
ትማል ሎም ጽባሕ
ትነብዒ ዝርንዛሕ
ክትሕጎስ ክትፍሳሕ'ዛ ነፍሰይ
ክምለስ ካብ ስደት ኲንኒ ዋሕሰይ
ኦ ድንግል ማርያም ኲንኒ ዋሕሰይ!
ሎቱ ስብሐት!
"ኣብያተ ጣዖታት ይረሓዋ፡ኣብያተ ክርስትያናት ይተዓጸዋ!" ዝብል ታሪኻዊ ኣዋጅ፡ ቀንዲ መበገሲኡ እንታይ ኢዩ ኢልኩም ሓቲትኩምዶ ትፈልጡ፧ ንድዮቕሊጥያኖስ እስከ ንሕተቶሞ፡ ምኽንያታዊ መበገሲኡ እንታይ ይብል ይኾውን፧
ኣፋዊ ታሪኽ
ንጉስ ድዮቅሊጥያኖስ ሕሉፍ ታሪኹ፡ ኣዝዩ ኣማኒ ክርስትና ከምዝነበረ'ዩ ዝንገር። ከም ኲሉ ኲነታት ኲናት ከኣ፡ ሓደ ግዜ ምስ ሓደ ካብቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ነገስታት ብርቱዕ ውግእ ተጋጠመሞ፡ድዮቅሊጥያኖስ ኣብቲ ኲናት ሲዒሩ ወጸ።ዝማረኽ ማሪኹ ዝቕተል ቀቲሉ ክወጽእ እንከሎ፡ ናብ ቤተ-መንግስቲ ኣትዩ፡ ወዲ'ቲ ንጉስ ናይታ ዓዲ ማሪኹ ምስኡ ተማልኦ።ድዮቅሊጣኖስ ነቲ ዝማረኾ ወዲ ንጉስ ጅግንነቱ ከይንቀፍ ብማለት ነቲ ዝተማረኸ ቆልዓ ክቐትሎ ኣይመረጸን። እምበርከ ህጻናት ይቐትል ተባሂሉ መታን ከይንዓቕ፡ ነቲ ምሩኽ ህጻን ናብ ሓደ ገዳም ወሲዱ፡ንሓደ ካህን ኣረከቦ። "እንካ እዚ ህጻን፡ ካብ ዘይኣመንቲ ወገን'ዩ። ነገር ግን ቆርበት ብርሕሱ ቆልዓ ብንእሱ ኢዩ ዝብሃልሞ፡ ኣምሂርካ ኣብ ዝብጻሕ ኣብጽሓዮ፡፡ ክርስቲያን ግበሮ፡፡ ዘድልየካ ዘበለ ቀረብ ድማ ኲሉ ብዓለይ ክህበካ ኢየ" ኢሉ ብለበዋ ንሓደ ኣገልጋሊ ናይቲ ገዳም ሃቦ። ወዮ ካህን ከኣ ሐራይ ኢሉ ተቐበለ።
ዝተወሰነ እዋናት ምስጸንሐ፡እቶም ስድራ ናይቲ ህጻን፡ ስልያን ስለላን ገይሮም እቲ ህጻን ብሂዎቱ ከምዘሎን፡ኣብ ገዳም ድማ ክርስትያን ንምኻን ይምሃር ከምዘሎን ፈለጡ፡፡ ዝገበሩ ገይሮም ከኣ ብሕቡእ ረኸብዎ። ሽዑ ነቲ ካህን ሕጻኖም ክመልሰሎም ብኽንደይ ለመና፡ ጉቦ ኣብሊዖም፡ ኣሽሓት ወርቂ ሂቦም ኣስድዕዎ።ህጻኖም ሒዞም ከኣ ናብ ዓዶም ብሕቡእ ተመልሱ። እዚ ዝገበሩ፡ "ንማንም ኣይክንነግረልካን ኢና" ኢሎም ቃል ብምእታው ጉቦኦም ሂቦም'ዮም ኣጋግዮሞ።
እዚ ነገር'ዚ ነዊሕ ዓመታት ኮነሞ፡እንደገና እታ ሃገር ምስ ድዮቅሊጥያኖስ ውግእ ከፈተት። ናይ ኲናት ርብርብ ምስተኻየደ ድማ፡ ሕጂ'ውን ንጉሥ ድዮቅሊጥያኖስ ስዓረ። ዝማረኽ ማሪኹ፡ዝቕተል ቀቲሉ ከኣ ተመልሰ። ዘገርም ክስተት ግን ኣጋጠመ። እቲ ኣቐዲሙ ዝማረኾ ወዲ ንጉስ ቆልዓ ሕጂውን ማረኮዎ። እቶም ኣብ ቤተ-መንግሥቲ ኣትዮም ክጒርጒሩ ዝተላእኩ ወተሃደራት፡ እቶም ኣቐዲሞም ነቲ ሕጻን ዝማረኽዎ ስለዝነበሩ፡"እቲ ማሪኽናዮ ዝነበርና ህጻንሲ ሕጂውን ማሪኽናዮ፡ከመይ ኢሉ ድኣ ካብቲ ገዳም ናብ ዓዱ ተመለሰ፥"ኢሎም ናብ ንጉሦም ኣመልከቱ። ንጉሥ ዲዮሊጥያኖስ ነዚ ጉዳይ'ዚ ምስ ሰመዐ ኣዝዩ ሰምበደ።
ናብቲ ገዳም ከይዱ ድማ ነቲ ብሓደራ ዝተዋህበ ኣገልጋሊ፡ "እቲ መሃሮ"ኢልና ዝሃብናካ ህጻንሲ ከመይ ኣሎ፧ ኢሉ ደሃዩ ሓተቶ። እቶም ካህን ድማ "ጽቡቕ ኣሎ" ኢሉ መልሲ ለኣኸ። መልሲ ምስ ሰመዐ ንጉሥ ሕጂውን እምብዛ ደንጸዎ።ናብቲ ገዳም ባዕሉ ከይዱ ከኣ ፡"እሞ ሃለዋት ናይቲ ህጻን ክንፈልጥ ደሊናስ ኣበይ ኣሎ ክተሪኡና፥" ኢሉ ሓተተ።እቶም ካህን " ኣይ! ኣነ ደኣ ከይትስምብድ ኢለ'የ እምበር፡ ካብዝሞውትኮ ነዊሕ ዓመታት'ዩ ገይሩ!" ኢሉ መለሰ።
ንጉሥ ብመልሲ'ቲ ካህን ኣዝዩ ሰምበደ።"ካህንዶ ሓጥያት ይገብር ኢዩ፧ ንእግዚኣብሄር ዝኣክል ጎይታ እናገልገለስ ከመይ ኢሉ ክርስቶስ ነዚ ሓጥእ ሰብ'ዚ ንሒፍዎ፧ ስግኡን ደሙን እንዳፈተተኸ፥ እቲ ቅዱስ ስጉኡን ክቡር ደሙ ኣየንድዶን ድዩ!" ኢሉ ምስ ውሽጡ ብምዝርራብ ፍጹም ተገረመ።እስከ እጂውን ክሓቶ ኢየ ብማለት።"መቓብሩ ኣበይ ኣሎ" ኢሉ ይሓትት ንጉሥ። እቲ ካህን ከኣ ኴዱ ናብ ናይ ካልእ ሰብ መቓብር እናመልከተ፡ "ኣብዚ ኢዩ ተቐቢሩ" ኢሉ ነገረ።
በዚ ስማዕ'ዚ ሕጂውን ኣዝዩ ደንጸዎ ንጉሥ። ኣብ መወዳእታ ነቲ ህጻን ሰብ ልኢኹ ኣብ ቅድሚኦም ብምምጻእ " እነሀለ'ንዶ ደጊምና ማሪኽናዮ! እቲ ብሓደራ ዝሃብናካ ሕጻን እዚዶ ኣይኮነን፧'' ኢሉ ምስ ኣርኣዮ፡ ሽዑ ፈጠጥጥ ኮነ። ኣብ መደምደምታ ንጉሥ፡ "እንታይ ክትረክብ ኢኻ ከምኡ ዝገበርካ" ኢሉ ይሓተት። እቶም ካህን ከኣ "ፍቅረ ንዋይ'ዩ መሊኽኒ፡ሓቀኛ እግዚኣብሄር ምሳይ እንዳሃለወስ ተታሊለ ፍጹም በደል ገይረ። ይቕረ በለለይ" በልዎ። ንጉሥ ድዮቅሊጥያኖስ፡"ነዚ ክትገብር ዘገደደካኸ እንታይ ስለዝሃቡኻ ኢዮም፡ ካብቲ ሞሳ ክኾነካ ኢልና ዝሃብናካ ዝያዳ ዝበልጽ ዓስቢ እንታይ ስለዝተቐበልካ ኢኻ?" ኢሉ ደጊሙ ሓተተ።እቶም ካህን ድማ ኣዝዩ ብዙሕ ወርቂ ሂቦም ከም ዘታለልዎ ተናገረ።
ንጉሥ ነዚ ርእዩ ሕጂ'ውን ክርስቶስ ይቐጽዖዶ ኣይቀጽዖን ንምፍላጥ ናብ ቤት መቕደስ ኣምርሐ። ከም ቆራቢ ተመሲሉ፡ቅዳሴ ከቐድስ ስለዝደለየ፡ ሓቀኛ ተመሲሉ፡ ንስሓ ኣትዪ ቆረበ። ነቲ ካህን'ውን "ባዕልኻ ቀዲስካ ኣቕሩበኒ" በሎሞ፡ እቲ ካህንውን ቀዲሱ ቆረበ። ወዮ ንጉሥ "ሕጂ ክመውት ኣለዎ፡ነዚ ዝኣክል ሓጥያት ፈጺሙ ከብቅዕስ፡ ቅዱስ ስጋን ክቡር ደምን ክቕበል ብሂዎት ክነብር ኣይሓድጎን ኢዩ ክርስቶስ" ብምባል ሞቱ ተጸበየ።በዚ ኢልካ በቲ ግን፡ እግዚኣብሄር ካብቲ ንሕና ንብድሎ እቲ ንሱ ዝምሕረና ስለዝበዝሕ፥ እቲ ካህን ኣይሞተን። ምላልባሽውን መን ይፈልጥ፡ ተናሲሑ ይኾውን። እግዚኣብሄር ዕድመ'ቲ ካህን ከሕጽሮ ኣይፈተወን። ነዚ ምስ ተዓዘበ ንጉሥ ናብ ውሳነ በጸሐ። ወርቂ ኣምጺኡ፡ ጢሒኑ በጽቢጹ፡ነቲ ካህን ብሓይሊ ኣስተዮ። ካህን ነቲ ዝተበጽበጸ ወርቂ ምስ ሰተየ ብኡ-ንቡኡ ዓረፈ።
ዓላዊ ኣዋጅ ንጉሥ ዲዮቅሊጣኖስ
ብድሕሪ'ዚ ንጉሥ ንክርስትና ፈጺሙ ከሓደ። ንእምነት ናይቶም ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ዝነበሩ ደቂ ሰባት ዝምልከት ከኣ፡ ሓድሽን ግዴታውን ኣዋጅ ዘርግሐ! "ክርስቶስ ነዚ ካህን'ዚ ሓጥያት ዋላ እንተገበረ ኣይቀጽዖን። እሞ ድማ ዋላኳ ቁርባን እንተቖረበ ምስ ሓጢኣቱ ከሎ ኣይተንከፎን። ክርስቶስ ዓቕምን ሓይልን ተዝህልዎ፡ ስቕ ኢሉ ኣይምረኣዮን። ወርቂ ግን ነዚ ሓጥእ ሰብ ምስ ሓጢኣቱ ክነብር ኣይፈቐደሉን፡ በንጻሩ ቆራሪጽዎ ኢዩ። ስለዚ ክርስቶሰሰ ኢኮነ አምላከ፡ አላ ወርቅ ውእቱ አምላከ። ክርስቶስ ኣምላኽ ኣይኮነን፡ኣምላክሲ ወርቂ ኢዩ። ኣብያተ ጣዖታት ይረሓዋ፡ኣብያተ ልርስትያናት ይተዓጸዋ!"ኢሉ ተሪር ኣዋጅ ኣወጀ። ድሕሪ'ዚ ኣብ ምሉእ ክርስቲያናት መከራ ወረደ፡ ዘመነ ሰማእታት መዚ ምኽንያት ተጀመረ።
ትምህርቲ
ሪኢኹም ወገናት በዛ ንእስቶይ ስንፍና ናይዚ ብረብሓ ዝሰደዐ ካህን፡ ክንድዚ ዝኣክል መከራ ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ወሪደ።ክንደይ ዝኣኽሉ ህዝቢ ኣምላኽ ብዓላውያን ግፍዒ ወሪድዎም። ለካ በታ ንእሽቶይ እንገብራ ጉድለት ብዙሕ መከራ ክመጻና ይኽእል ኢዩ።ምኽንያቱ ቤተ ክርስትያን፡ ተጻረርታ እቶም ኣብ ደገ ዘለዉ ዘይኣመንቲ ጥራይ ኣይኮኑን። እኳ ደኣ እቶም ደቃ ኣዚና ክንጥንቀቕን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣካይዳና ከነስተብህልን'ዩ ዘለና።ብውሑድ ጉድለት፡ ብዙሕ ሳዕቤን፡ ክመጽእ ይኽእል ኢዩ። ብፍላይ ብፍትወት ገንዘብን ንዋይን፡ ሃይማኖትና ንጸዓዱን ሓያላን ሃገራትን ኣሕሊፍና ክንህብ ኣይግባእን'ዩ። ስለረብሓ ስጋ ክንብል እንተተሰደድናስ ሓጢያት ኣይኮነን፡፡ ሃይማኖትና ብጥቕማ-ጥቕሚ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከነእትዎ ግን ብፍጹም ጽቡቕ ኣይኮነን። ልብሲ ቤተክርስቲያን ዝተኸደኑ ዘይደቂ ቤተክርስቲያን ከምዘለዉን፡ ቅራቦ እንጀራ ጸዓዱ ኣስዲዕዎም ሃይማኖት ንምፍራስ ዝተግሁን ከምዘለዉ፡ ሜድያ ንዂልና ነጊርናን ይነግረናን ኣሎ። ነዚ ግን ንሕና ከም ደቂ ቤተክርስቲያን ክንተግሃሉን ክንነቕሓሉን ዘለና ቀንዲ ቊምነገር'ዩ ክኸውን ዘለዎ።
ኣብ ባሕርይ እግዚአብሔር ጌጋ ኣመለኻኽታ ምህላው ዘምጽኦ ሳዕቤን ቀሊል ከምዘይኮነ'ውን፡ ከምነስተብህል ጌርና'ዩ ንጉሥ ዲዮቅሊጥያኖስ። ከምዚ ንርእያ፡ ዓለምና ብሓጢኣት ብዝዘቕበቡ ሰባት ዝመልአት'ያ። ግን ሓጥኣን ኣብዛ ዓለም ሰንኪ ምህላዎምን ቀጥታዊ ቅጽዓት እግዚአብሔር ዘይምኽሳቱን፡ ህልውና ኣምላኽ ክንክሕድ ምኽንያት ክኾነና ፍጹም ኣይክእልን'ዩ። እዚ ዝተገልጸ ታሪኽ ከምዘረድኣና፡ ድዮቅሊጥያኖስ በዚ ነገር'ዚ ፍጹም ካብ ሃይማኖት ዘምቢሉ'ዩ፡፡ ከም ምኽንያት ዘቕረቦ ጉዳይ እንተሃልዩ ከኣ፡ ነቶም ሓጥኣን'ዮም ኢሉ ዝሓሰቢም ሰባት፡ ክርስቶስ ብቐጥታ ክቐጽዖም ስለዘይረኣየ'ዩ። ንክርስቶስ ክሒዱ ከኣ ሃይማኖት ከፍርስ ብዙሕ ተቓሊሱ። እግዚኣብሄር ግን ንቤቱ ኣይገደፋን። ቅዱስ ጊዮርጊስ ዘለዉዎም ቅዱሳን ሰማእታት ብምትንሳእ፡ ነቲ መሪር ግፍዒ መሪር ዋጋ እናኸፈሉ፡ ብደሞም ቤተክርስቲያን ቀጻልነታ ከምዝረጋገጽ ኮነ።
ኣዋጅ ንጉሥ ቆስጠንጢኖስ
ኣብዚ ዘለናዮ ቅንያት፡ ቅዱስ መስቀል ዝተረኸበሉ ግዜ ምዃኑ ንፈልጦ ሓቂ'ዩ፡፡ መበገሲ ናይዚ ከኣ፡ ንግስነት ሮማ ኣብ ክልተ ምስተገመዐ፡ ንጉሥ ቆስጦንጢኖስ ዝበሃል ሓድሽ ንጉስ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኤስያ ተቐልቀለሞ፡ "ኣብያተ ጣዖታት ይተዓጸዋ፡ኣብያተ ክርስትያናት ይከፈታ" ዝብል ካልእ ሓድሽ ኣዋጅ ከም ዝኣወጀ ይንገር። ብዛዕባ'ዚ ኣርእስቲ'ዚ ኣመልኪታ ቅድስት ቤተክርስቲያን ወትሩ በዚ ቅንያት'ዚ ትነግረና'ያ። ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ንጉሥ ቆስጦንጢኖስን፡ ምውዳቕን ምምቕቓልን ንግስነት ሮማን ንምትንታን ርእሱ ዝኸኣለ ሰፊሕ ኣርእስቲኳ እንተኾነ፡ ንጉሥ ቆስጠንጢኖስ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኤስያ ንግስነት ምስ ኣቖመ፡ ብስሙ "ቆስጠንጥንያ" እትበሃል ዓባይ ከተማ ሃኒጹ ናይ ክርስቲያናት ማእከል ከምዝገበራ ብዂሉ ናይ ታሪኽ ማዕከን ዝንገር ሓቂ'ዩ። ንሱ " ቤተክርስቲያናት ይተዓጸዋ፡ ቤተ ጣዖታት ይረሓዋ" ንዝብል ናይ ዲዮቅሊጥያኖስ ኣዋጅ፡ ብ "ቤተክርስቲያናት ይረሓዋ፡ ቤተጣዖታት ይተዓጸዋ" ብምባል ሓድሽ ኣዋጅ ዘረግሐ።
ኣዋጅ ብኣዋጅ ተሳዕረ!
ክሳብ ምምጻእ ንግስነት ቱርኪ ድማ፡ ንግስነት ቆስጠንጥንያ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኤስያ ክገዝእ ጸንሐ። በቲ ሽዑ እዋን ንንግስነት ቆስጠንጥንያ ዝቃወሙ ገለ ሒደት ኣካላት ስለዝነበሩ ግን፡ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታትን ኲናታዊ ርብርብን፡ ንከተማ ቆስጠንጥንያ ኣፍሪሲም ኣብ ቱርኪ ንግሥነት ሓዙ። ኲሉ ነገራት ድማ ከም በሓድሽ ተቐየረ። ቤተ-ክርስትያን ግን ሕጂውን ንናይ ቱርክን ስዒቦም ዝመጸ ሓይልን ተጽዕኖን ስዒራ ክሳብ ሕጂ ትነብር ኣላ።
በረኸተ ቅዱስ መስቀሉ ምስ ኲልና ይኹን፡ ካብ ሓጥያት ንእለየሉ ዘመን ከኣ ይግበረልና ኣሜን።
ምንጪ፦
ስብከት ቀሲስ ሕብረት የሽጥላ
Historical and acadamical book
ልክዕ ሰዓት 12፥00፡ ስራሕ ጸኒሐ ብብሽግሌታ እንናሓለፍኩ'ዩ። ኣብ ዓድና ኴንካ ክትሓስቦ፡ ህሮርማ ጽሓይ ስለዝኾነ፡ ጓሳ ኣመት ከርሱ ክገብር፡ መቋሰዪ ጣዕሞት ተረኸበ ኢሉ ዝለሓዃ ገረዲቱ ዘቋምተሉ ሰዓት'ዩ ዝኸውን ዘሎ መስለኒ፡፡ ከምኡ'ውን ጤል ጠጠማ ገዲፋ ናብ ጽላላ፡ ሓረስታይ ዕርፉ ኣወንዚፉ ናብ ዕረፍቱ፡ ኮታ ኲቱ ከይተረፈ'ኳ ምዂትኳት ዘቋርጸሉ ሰዓት'ዩ፡ ሰዓት 12፡00።
ኣነ ናይ ንግሆ ስራሐ ውዒለ፡ ሰራሕተኛ ሞኒባለ መሲለ ናብ'ዛ ጣዕሞት ዝርከበላ ቤተይ ገጸይ ይህደድ፡፡ ብማእከል ከተማ ክሪስቲያንሳምድ ሰንጢቐ ይሓልፍ ኣለኹ። ዳርጋ ንደቂ ዓድናስ፡ ጻዕዳ-ጋወን ዝገበረ ነዳቓይ መሲለ ምተረኣኽዎም ይመስለኒ። ኣቤት በዓል፡ መዳ፡ በዓል ኣብርሃም ኣይረኣዩ! ብፍላይ ኣያ ጎይተኦም ዝበሃል ነይሩ ናይ ተሰነይ ነዳቓይ፡ ብሽግሌታይ ቅምጥ ኢለ ንዕኡ መምሰለትኒ ነይራ። ኣብ ማእከል ከተማ ክሪስቲያን ሳንድ፡ ዶም-ሺርከ ዝበሃል ብ1883 ዓ.ም ተጀሚሩ ብ1884 ተነዲቑ ዝተዛዘመ፡ ክሳብ ሕጂ ካብቶም ኣለዉ ዝበሃሉ ጥንታውያን ሕንጻታት ክርስቲያንሳንድ ብማዕዶ ዝረአ ናይ ኖርወያውያን ሕንጻ ቤተ-ክርስቲያን ኣሎ። ኣብ ክልሉ ማለት ኣብ ሕምብርቲ'ታ ከተማ ስለዝኾነ፡ ሕዝባዊ ቤት-ንባብ፡ ደዃኲን፡ እንዳክዳውንቲ፡ እንዳባራትን ዝተፈላለየ ሕብረ-ብዙሕ ኣገልግሎት ዝምጥዉ ሕንጻታትን ይረኣዩኻ። ኣብኡ ማለት ኣብቲ ሰንተር፡ ብዙዕ ዓይነት ጓይላታት'ዩ ዝካየድ። በቲ ከባቢ እንተሓሊፍካ፡ መን ይኹን መን ብዘየገድስ፡ ሰብ ተቛሪጽዎ ኣይፈልጥን'ዩ። ሓደ ምሸት ምስ ሓደ ኣዝየ ዝፈትዎ ዓርከይ ብእኡ መግቢ ሒዝና ዘወርወር ክንብል በቲ ጎደና ሓሊፍናስ፡ "በጃኻ ቀልጢፍና ንኺድ፡ እዚ ከባቢ መውዓሊ ሰኽራማት'ዩሞ፡ ኮፍ ኣይንበል!" ክብለኒ ይዝከረኒ። ሓቁ'ዩ፡ ቊምነገር ዝገብር ሰብ ኣብኡ ኮፍ ዝብል ኣይመስለካን'ዩ። ግን ከኣ ኲሎም ኣብኡ ኮፍ ዝብሉን ብእኡ ዝሓልፉን ጢኖታት ኢዮም ማለት ከኣ ኣይኮነን። ክንደይ ወረጃታት ከምዘለዉ ዝዘንጋዕክዎ ኣይኮንኩን።
እዚ ከባቢ እንተላይ መአንገዲ ናይ ብዙሕ ዓይነት ዳንኬራታት ምዃኑ፡ ኲሉ ተቐማጢ ክርስቲያንሳንድ ይፈልጥ። ኣብ ጎድኒ'ቲ ቤተ-ክርስቲያን ዘይግበር ተጋብሮ የለን።ብፉሉይ፡ ኣብዚ ዓመት'ዚ ቀልቢ ዝስሕብ ነገር እንተሃልዩ፡ ባንዴራ ግብረ-ሰዶም ብዓብይ ኣርማ ኣብታ ኣፍደገ ቤተክርስቲያን ምስ ሓወልቱ ተተኺሉ ምህላዉ'ዩ። ስለምንታይ'ዮም ነዚ ቦታ መሪጾሞ፡ኣነ ይግምት እምበር፡እንድዒ ኣይፈልጥን'የ፡፡ ግምተይ ግን ንውሽጠይ ይዂኖ። ባንዴራን ኣርማን ግብረሰዶማውያን ዳርጋ ብውገዒ ናብ ዓለም ካብ ትዝርጋሕ፡ ዕድመ እናደፈአት ትኸይድ ኣላ። ብስማ ሕስር ዝበለ ክዳውንትን ኣቕሓ ንብረትን ክሽየጥን ክልወጥን ንርኢ ኣለና። ወይ ጉድ! ኣብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ መቸስ፡ "ቅናት ኣደይ-ማርያም" ተባሂላ ዓብይ ክብሪ'ዩ ዝወሃባ። እንታይሞ ስማ'ዶ ሒዞም መጽዮም። "ገም-ገም ኣይተብል፡ ገም ዘብለካ ረአ" ይብል ወዲ ገልዓንቴት። "ኲሉ ሕማቕሲ ለካ ሕማቕ ስም ነይመርጽ" ድዩ ዝበሃል። ናብ ክርስቲያንሳንድ እንተመጺኹም፡ ግብረ-ሶዶማውያን ነዛ ሸውዓተ ሕብርታት ዘለዋ ቅናት ኣደይ ማርያም፡ ባንዴረኦም ገይሮም ከይኣክል፡ መእተውን መውጽእን መታን ክትኮውን፡ ኣብታ ኣፍደገ'ታ ቤተክርስቲያን ኣምቢሮማ ኣለዉ። ኦይ ወረግ ኣይትደልይዎን ኣይትምጽኡ። እምበርከስ ክትኣቱ ይኹን ክትወጽእ ወይ በአኣ፡ ወይ ተዃሊልካ'ዩ መሕለፊ ።
ሎም መዓልቲ ቀትሪ ሰዓት 12፡00፡ ከቢድ ጫውጫታ ተዓዚበ። በቲ ሓደ ወገን እቶም ወገናት ናይታ ቤተ-ክርስቲያን፡ በቲ ካልእ ድማ ወገናት ናይቶም ግብረ-ሶዶማውያን፡ "ኣነ ይስዕር ኣነባ ይበልጽ" ዝብሉ እንክመስሉ ብጻዕቂ ህዝቢ መሕለፊ ዝበሃል ኣይነበረቶምን። ጽቕጥ-ቅጥ'ዩ በቃ። ከምዝመስለኒ ክልቲኦም ፌስታ ድዩ ቴስታ ኣይፈልጥን፡ እቲኦም ባንዲ ገይሮም ህር-ህር ይብሉ፡፡ እቲኦም ድማ ብደወል ቤተ-ክርስቲያን ዊው-ዊው ከብሉ፡ ፍሉይ ህልኽ ኣንቢበ። ክሓልፍ እንከለኹ፡ እዝነይ ንመኖም ክሰምዕ ዝሰሰዐ እንክመስል ናብዝን ናብትን ክብል ዕጭ-ሓንፊፉ ኣብዩኒ'ዩ። ኣዕይንተይ'ውን ከምኡ ነየኖት ክርኢ ሕውዝውዝ ኢልዎ፡ ዳርጋ እንቋዕ ስራሐይ ኣይረሳዕኩ'ዩ ዘብል። ሸግሌታይ ጽርግያ ምርጋጽ ዝነበረ ልማዳ፡ ዘዘሊላ ናብ ሰብ፡ ዘዘሊላ ናብቲ እኩም ህዝቢ ክትብል፡ ኣነን ንሳን'ውን ተቘራቊስና ኢና።
ቊርቊስ'ዩ በቃ!
እወ። ከምዝመስለኒ፡ እቶም ሕዝቢ ብደጌኦም ደኣ ኣይንበብን እምበር፡ ከቢድ ክርክራዊ ቀውሲ ከምዝነበሮምሲ፡ ስምዒታቶም ደርጒሑ'ዩ ዝነግረካ። ዘመኑ ለካ ጋዶ'ዩ። ዓለምና ካብ ክርክርን ውድድርን የዕሪፋ ኣይትፈልጥን። "ሰብ ንሰብ ክስዕር ክብል መቓብር የርክቦ ኣሎ" 'ዩ ነገሩ። ኣንቱም ሰባት፡ መቓብር ከይቀበረና እንከሎ እንዶ ግዳ፡ ሓውና ብሕይወቱ ከሎ ኣይንቕበሮ። ንምንታይ'ዩ ግን ሰብ፡ ንሰብ ክነብር ኢሉ ዘይንሕፎ፧ ስለምንታይ'ዩ ሰብ፡ ንሰብ ከምድላዩ ክኸውን ዘይፈቕደሉ፧ ሓደ ቆልዓስ ንወለዱ፥ "ስለምንታይ ብዘይፍቓደይ ወሊድኩምኒ፧" ኢሉ ኣዋጠሮም ድዩ ዝበሃል። እሞ ክንውለድ እንከለና እኳ ክንመርጽን ከይክንመርጽን ዕድል ዘይነበረናስ፡ ስለምንታይ ዕድል ካልኦት ወሲድና ዕድልና ከነልብሶም ህርድግ ንብል፧ እንተኸኣልናስ፡ ከምቲ ነብሪ ንነብሪ፡ ኣንበሳ ንኣንበሳ፡ ህበይ ንህበይ ዝሓልየሉ'ሞ፡ መግበ-ስጋ ዝለጋገሱ፡ ሰብኣውነትና'ውን ንሰብ ክንምንጥል ዘይኮነስ ክንሕግዝ'ዩ ዝግድደናሞ፡ ዘይንለዋዋህ ግዳ፡። ኣይከኣልናን ግን ስለምንታይ ሰብ እንከለናስ፡ ንሰብ ንህልኾ፧ ንሰብ ንንገሮ፡ ተኣበየ ግን መከራ ይምከሮ።
ኣየ ሰብ ምድሪ ብገፋሓስ፡ ባዕሉ ኣጻቢብዋ። እምበር ምምባር ደኣ፡ ኣብ ማሕጸን'ውንኮ ይንበር'ዩ። እግዚአብሔር ፈጣሪ ኲሉ ፍጥረት'ዩሞ፡ ንዂልና ሰባት ብዓይኒ ርህራሄኡ ይጠምተና።
በስመ ሥላሴ ኣብራም'ዩ ግብረይ ኣብ ካራን ምንባረይ ሃብታም'ዩ ሰፈረይ ብዘመናዊ ስራይ ኣብኡ'የ ዝወድቕ ይሃጥር ብስጋይ ሓሽከት ሓጣውእ ይበራረዩለይ ገንዘብ ሶዶም ክኸስብ ገንዘብካ ይስእኖ እናሻዕ ይንኖ...