tirsdag 29. mars 2022

ኣብ ሰብ ዓቢ እጃም ዘለዎም ፍጥረታት

በስመ-ሥላሴ

 

(ዓውደ-ዘተ ብስነ-ጽሑፍ)



√ ይትባረክ እግዚአብሔር ኣምላከ ኣበዊነ፡ ለዘኣብጽሐነ እስከ ዛቲ ዕለት ወእስከ ዛት ሰዓት። ኣቐዲመ ምዉቕ ሰላምታይ የመሓላልፍ። ነዚ ቀሪብኩምልና ዘለኹም ናይ ዘተ መኣዲ ከኣ ደስ እናበለኒ ኣዝየ የመስግን። ቀጺለ ብዛዕባዚ ኣርእስቲ ኣመልኪተ፡ "ኢዩ/ኢዮም!" ዝበሎም ነጥብታት እናጠቐስኩ፡ ብኸምዚ ዝስዕብ ናይ ዘተ ጽሑፈይ የቕርብ። 

ሰናይ ንባብ!


1ይ ክፋል…

እዛ ቀሪብኩማልና ዘለኹም ኣርእስቲ፡ "ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ኣብ ነገረ-ድሕነትና እንታይ ተራ ኣለዋ፧" ትብል ኣዝያ ኣገዳሲት ዛዕባ'ያ።  ብወገነይ 'ካብ ኣርእስቲ ወጺኻ' ከይበሃል ደኣ እናተሰከፍኩ'ምበር፡ ነዛ ኣርእስቲ በብክፋላት እናከፋፈልኩ፡ ቊሩብ ከዕሙቛን ከስፍሓን ክፍትን'የ። ዘቕርቦ ዓውደ-ዘተ ሰለስተ ኣዕኑድ ዘካተተ ኴኑ፡ 'ንሰብ ብሓፈሻ ከኣ ንዂልንትና ናይ ሰብ ነገር ዓቢ ተራ ዘለዎም ፍጥረታት፡ ብፍላይ ድማ ድንግል ማርያም ኣብ ድሕነትና እትህቦ እጃም ብምትኳር፡ ብመጠኑ ዘርዚረ ከብርህ ክፍትን'የ።


ንወድ-ሰብ፡ ኣብ ትሕቲ እግዚአብሔር፦

1. ኣብ ስርዓተ-ተፈጥርኡ

2. ኣብ ነገረ ድሕነቱ

3. ኣብ ከይዲ-ሕይወቱ

ዓቢ ተራ ዘለዎም ፍጥረታት መነ-መን'ዮም፧ 

መልሲ፦

1. ሰብ ክፍጠር እንከሎ፡ ካብ ፍጥረታት ዓቢ እጃም ዘበርከቱ፦ 

ብዛዕባ'ዚ ንምዝርዛር፥ ዓቕምን ግዜን ኲነትን  ክድርተኒ ዝኽእል እኳ እንተኾነ፡  ቅዱሳን መጽሓፍትን ትምህርቲ ቅድስት ቤተ-ክርስትያንን ብምምርኳስ ግን ገለ ክብል ክፍትን'የ። መጽሓፍ-ቅዱስ ክነንብብ ከለና፡ "ሰብ መወዳእታ ተፈጢሩ" ኢሉ እዩ ዝሕብረና።

(ዘፍጥረት፡ ኩፋሌ፡ ቀለሜንጦስ ተመልከት)


ብእኡ መሰረት ድማ፡ እታ ሰብ ዝተፈጥረላ ዕለት መወዳእታ ወይ ከኣ ዓርቢ ዝብል ስያመ ተዋሂብዋ ይርከብ። (ዓርቢ ማለት፡ ግሱ "ዓርበ፡ ዓረበ" ይብሎ። ምስ ምዕራብ ወይ ምውዳእ፡ መወዳእታ፡ መጨረስታ ዝብሉ ቃላት ዝተተሓሓዘ ኴኑ፡ መወዳእታ ፍጥረት ዝተፈጥረላ መዓልቲ ምዃና ንምንጻር'ዩ።)


√ ብተወሳኺ፡ ሰብ ዝተፈጥረ ብሃንደበት ወይ'ውን ብኣጋጣሚ ኣይኮነን።እዚ ዘይምዃኑ ዘነጽሩ ቅዱሳን ጽሑፋት ኣለዉ። ማለት ፈጣሪ፡ ከምቲ ንዂሎም ፍጥረታት፡ ብኣጋጣሚ ወይ'ውን ብዘይመደብ  ዝፈጠጠሮም ዘይኮነ፡ እንታይ ደኣ ሓሲቡን ኣሰላሲሉን ሓሊኑን ዝፈጠሮም፡ ንሰብ'ውን ፍሉይ ጠመተን ኣምላኻዊ ቱኽረትን ብምጥቃም'ዩ ኣቐዲሙ ሓሲብዎን ሓሊንዎን ነይሩ። ነዚ በቲ ቅድሚ ንሰብ ምፍጣሩ ነቶም ነባብነትን ለባውነትን ሕያውነትን ባሕርይ ዝነበሮም ፍጥረታት፡ ቅዱሳን መላእክት ከስምዕ ኢሉ፡ "ንግበር ሰብአ በኣርኣያነ ወበኣምሳሌነ" ዝበሎ ሓይለ ቃልን፡ ክሳብ ሞት ቀሚስካ ምእንቲ ሰብ ዝኸፈሎ ዋጋን ብምምልካት፡ ኣብ ሰብ ማዕረ ክንደይ ተገዳስነት ከምዘለዎ ምርዳእ ይከኣል'ዩ። መቸም ሕልናን ሓሳብን እግዚአብሔር፡ ብዓቕሚ ወዲ-ሰብ ይኹን ብኻልእ ፍጥረት፡ ክትንተን ይኹን ክልካዕ ፈጺምካ ዘይከኣል ዘለዓለማዊ ምዃኑ ርዱእ እንድዩ፡፡ እግዚአብሔር ብዛዕባ ኣብ ተፈጥሮ ሰብ፡ ሕልፊ ፍቕርን ሕርየትን ከምዘለዎ ግን፡ ባዕሉ እቲ በዓል-ቤት ደጋጊሙ የረደኣና'ዩ። 


√ "ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ሓረኹኹም፡ ብምስለይን ብመልክዐይን ፈጠርኲኹም፡ ብፍሉይ ኣፈጣጥራ፡ ማለት ብገቢር ጠፊዐን ቀሪጸን ሰራሕኩኹም" ዝብሉ ጽንሰ-ሓሳባት፡ ንሓሳባትን ሕልናን እግዚአብሔር ኣጒሊሖም ዘረድኡ ሓረጋት'ዮም። ብዛዕባ'ዚታት ንሰብ ልዕሊ ኲሉ ገይሩ ከኽብሮ ምዃኑን ከምዘኽበሮን፡ የኽብሮ ከምዘሎን ንምርዳእ፡ ሕልንኡን ሓሳባቱን ዝገልጹ ጽሑፋት ረቊሕካ፡ ደጋጊምካ ምምልካት ይከኣል'ዩ።

(ዘፍ 1፥27፡ ሮሜ 8፥29-30፡ ኤፈ 1፥4-5)


2ይ ክፋል…

√ ብዛዕባ 'ሰብ ንክፍጠር መዓስ ተሓሲቡ፡ ከመይ ተሓሲቡ፡ ኣብ ዓይኒ እግዚእብሔር ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ቦታ ኣለዎ' ኢልካ ንምዝታይ ብመጠኑ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ካብ ኮነ፡ ሰብ ንክስራሕ እጃም ዝነበሮምን ዘለዎምን ፍጥረታት'ውን መሚኻ ምፍላጥ ኣገዳሲ'ዩ። እዚ ኣበሃህላ'ዚ፡ ምስቲ ናይ ሳይንስ ተማራማሪ ዝነበረ፡ ቻርለስ ዳርዊን ኣነጻጺርካ ክረአ የብሉን። ንሱ እቲ ተማራማሪ፡ ፍጥረታት ነንሓድሕዶም ባዕላቶም ከምዝተፈጥሩ' ኢዩ ዝነግር። 

ሎቱ ስብሐት! 


√ ድሒሮም ናይ ባይሎጂ (ኤኮሎጂ) ተመራመርቲ'ውን፡ ንናይ ዳርዊን ፍልስፍና ዘራጒዱ መሊኦም'ዮም መጺኦም። ንሳቶም ዝብልዎ እንታይ'ዩ እንተተባሂሉ፡ "ጥንተ መበቆል ናይ ኲሎም ፍጥረታ ካብ ኣልጌ፡ ባክተርያ፡ ዩከርያትስ ዝበሃሉ ደቀቕቲ ፍጥረታት ኢዮም ተፈጢሮም" ይብሉ። 'ነዞም ዝጠቐስክሞም ደቀቕቲ ፍጥረትከ መን ፈጠሮም፧' ኢልካ ምስትሓቶም ድማ 'There is an unknown power፡ ዘይተፈልጠ ሓይሊ ኣሎ'  ይብሉኻ። ካልኣይ 'ነዞም ትብልዎም ዘለኹም ደቀቕቲ ፍጥረት መበገሲ ኲሉ ፍጥረት ካብ ኮኑ፡ ኣብቲ ንሳቶም ዝነበርሉ ግዜ፡ ብህይወት ተረኺቡ ዝረኣዮምን ጭብጢ ከምጽእ ዝኽእልን ሰብ (Eye withnes) ኣሎ ድዩ ዋላ ግምት ኢኹም ትዛረቡ፧" ኢልካ እንተሓቲትካዮም'ውን ክምልስዎ ስለዘይክእሉ፡ ብእምነት ተቐቢሎሞ ከምዘለዉ ኢኻ ትርዳእ። 


√ ካልእ ብፍላይ ኣብ ማእከላይን ምብራቕን ኤስያ ዝርከቡ ኣሕዛብ፡ ጽሓይ ከም ሓቀኛ ፈጣሪትን ኣምላኽን ገይሮም ይሓስብዋ ምንባሮም ክሳብ ሕጂ ናይ ታሪኽ ኣሰሮም ይርከብ'ዩ። 'ጽሓይ ኣምላኽ እያ' ዝብል ኣምልኾተ ጣዖት፣ እንኮላይ ምዕራባውያን ኣሕዛብ ዝኽተልዎ እምነት ምንባሩ፣ ናይ ታሪኽ መጽሓፍቲ የረድኡ እዮም። ርሑቕ ከይከድና፣ እዚ ኣብዚ ሕጂ እዋን ስም ተዋሂብወን ካብ ዘሎ መዓልትታት፣ እታ ብቋንቋ መጽሓፍ ቅዱስ፣ 'እሑድ፣ ኣሓደ፣ ወይ ቀዳመይቲ መዓልቲ' እትበሃል ሰንበት፣ ብEastern Indo-Europeans culture, Sunnday ተባሂላ ክሳብ ሕጂ ትስመ ምህላዋ ሕያው ምስክር እዩ። እዚ ሳንደይ ዝብል ስያመ፣ ብስም ጽሓይ በዓልቲ ይግበር ስለዝነበረ'ዩ፣ ''ናይ ጸሓይ መዓልቲ'' ዝብል ስም ድማ ተዋሂብዋ። ምላባሽ ትምህርተ ክርስትና ናብ ምዕራባውያን ይኹን ናብ ምብራቕ ዓለም ከስፋሕፍሕ ምስ ጀመረ፣ ነቲ ስም ክቕይርዎ ይኽእሉ ነይሮም ይኾኑ። ግን ክሳብ ሕጂ ከም ንቡር ኮይኑ ይውሰድ ኣሎ። ንባዕሉ እቲ '' ሰኑይ፣ ሰነየ' ዝብል ስም፣ ኣብ ምዕራባውያን ምስ ኣምልኾተ ጣዖት ዝተተሓዘ ብምዃኑ፣ ክሳብ ሕጂ፣ Monday, ናይ ወርሒ መዓልቲ፣ ተባሂላ ትስመ ኣላ። ርሑቕ ከይከድና ናብ ኣዋርሕ ምስ ንመጽእ፣ January, February...Augost, July... ዝብላ ስያመታት ኣዋርሕ ኣለዋ። እዚኣተን'ውን ብተማሳሳሊ፣ ምስ ነገስታትን ኣምልኾተ ጣዕታትን ተተሓሒዙ ዝመጸ ምዃኑ ዘይከሓድ ሓቂ'ዩ። ንኣብነት፣ ናይ ሮማን ኢንፓየር ገዛእቲ ካብ ዝነበሩ ቄሳራት፣ ጂሌዮስ ቄሳር፣ ኣጎስጦስ ቄሳር ዝበሃሉ ነገስታት ነይሮም። ብስሞም በዓል ይግበር ስለዝነበረ ከኣ ኣውጎስት፣ ጁላይ ዝብላ ኣስማት ናይ ኣዋርሕ ክሳብ ሕጂ ኣሰር ገዲፉ እነሀ። ብሕጽር ዝበለ፣ ጽሓይ ትኹን ካልኦት ፍጥረታት፣ ምስ ጣዖት ዝተተሓዘ ክሳብ ሕጂ ኣሰሮም ይረአ ኣሎ።


ኣብ ዓውደ-ፎቶሲንተሲስ ዘጽንዑ ተመራመርቲ ድማ፡ ነቲ ጽሓይ እትህቦ ሶላራዊ ጽዓትን ኣገልግሎትን ንምስትምሃር፡ ኣብ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ሰፊሕ ቦታ ሒዙ ዝርከብ፡ The main source of Energy ዝብል ዛዕባ'ዩ፡፡ እዚ ቀጥታ ምስ ጽሓይ ዝተኣሳሰር ስለዝኾነ፡ ዘመነ ኣምልኾተ-ጸሓይ የዘኻኽረካ። ናይዚ ዓውደ-ፍልስፍና'ዚ ክኢላታት ከምዝሕብርዎ፡ እቶም Producers, Consomers and decomposers (ኣፍረይቲ፡ ተጠቀምቲ፡ ኣበስበስቲ) ዝበሃሉ ፍጥረታት፡ ምንጪ ጽዓቶም ካብ ጽሓይ ምዃኑ ኢዮም ዝድምድሙ እቶም ተመራመርቲ። እዚ ምስቲ ናይ መጀመርያ ፍጥረት "ባክተርያ፡ ኣልጌ ዩከርያትስ" ዝብል ኣበሃህላ ዝጋጮ'ዩ። ንጸሓይ ደኣ መን ፈጠራ ኢልካ እንተሓቲትካ'ውን፡ ኮለል ክብሉ ተዘይኮይኖም ኣይምልስዎን'ዮም። በዚ ኮይኑ በቲ ተመራመርቲ ሳይነስ፡ ነቲ 'መርትዖ፥ Evidence' ዝብልዎ ኣምር፡ ኣጉል እምነት ይውስኽሉ ምዃኖም ዘይሰሓት ሓቂ'ዩ። 


√ሰብሲ ለካ ዝኣምኖ'ዩ ዝፈላለ እምበር፡ካብ እምነትሲ ናጻ ዝኾነሉ ዘመን ብፍጹም የለን'ዩ። እምበኣር ናብ ኣርእስትና ንመለስ፡፡ ሰብ ይኹን ካልኦት ፍጥረታት ብኢድን ፍቓድን እግዚአብሔር ከምዝተፈጥሩ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ካብኡ ናብኡ ግን 'ሰብ ንኽፍጠር ምኽንያት ዝኾኑ ፍጥረታት'ውን ኣለዉ' እዩ ዘሎ እቲ ዓውደ-ዘተ። 


√ ብቕልል ዝበለ ቋንቋ፡ ሰብ ድሕሪ ኲሉ ፍጥረት ደኣ ይፈጠር እምበር፡ ከምቶም ካልኦት ብዕለተ እሑድ ብሀልዮ ዝተፈጥሩ ፍጥረታት፡ ካብ እመ-ሀበ ኣልቦ (ካብ ዘለየለ)  ኣይኮነን ተፈጢሩ ሰብ። እንታይ ደኣ፡ ብኣርባዕተ ባሕርያተ ስጋ (እሳት፡ ማይ፡ ሓመድ፡ ኣየር)፡ ብሰለስተ ባሕርያተ ነፍሲ፡ (ለባውነት፡ ነባብነት ሕያውነት) ተቐሚሙ ዝተፈጥረ'ዩ። ካብ'ዞም ሸውዓተ ባሕርያት፡ ሓደ እንተጎዲሉና ድማ፡ ሰብ ዝብል ተፈጥሮ ሕጸጽ ዘለዎ ይኸዉን ማለት'ዩ።


√ ስለዚ ሓመድ፡ ግኡዝ ፍጥረት ደኣ ይኹን እምበር፡ ኣብ ነገረ ተፈጥሮ ወዲ-ሰብ ዓቢ እጃም ኣለዎ። ማይ'ውን ከምኡ። እዚ ክበሃል እንከሎ፡ ንስራሕ እግዚአብሔር ዝያዳ ንከተድንቕ'ዩ ዝሕግዝ። ኣብ 3ይ መቃብያን ምዕራፍ ሓደን ቀለሜንጦስ ምዕራፍ ክልተን ተገሊጹ ከምዘሎ፡ ዲያብሎስ ኣብተን ተዋሂበነኦ ዝነበራ ካብ ዕለተ እሑድ ክሳብ ረቡዕ ዝነበራ ናይ ንስሓ ዕለታት፡ ኣክንዲ ንንስሓ ዝጥቀመለን፥ ብትዕቢት ተወጢሩ "ኣምላኽሲ ካባይ ዝበልጽ ፍጥረት ካበይ'ዩ ከምጽእ፧" እናበለ የጭበርብር ከምዝነበረን፡ ኣማሲኡ 'ኣዳም ብዕለተ ዓርቢ፡ ብጥበብን ከሃልነትን እግዚአብሔር፡ ካብቲ ንዑቕ ሓመድ ተፈጢሩ' ዝብል ዜና ምስ ሰመዐ፡  ኣዝዩ ከምዝሰንበደን ከምዝጎሃየን ኢና ነንብብ።


 √ መልእኽተይ ንምጥርናፍ፡ ኣብ ነገረ ሰብ፡ ኖንዶ ቅድስት ድንግል ማርያም፡ እቶም ግኡዛን ፍጥረታት (ኣርባዕተ-ባሕርያተ ስጋ) ከይተረፉ'ኳ፡ ንተፈጥሮንነትና ዓቢ እጃም ኣለዎም።


3ይ ክፋል….


2. ኣብ ነገረ-ድሕነት ሰብ፡ ዓቢ ተራ ዘለዎም ፍጥረታት፡ ብፍላይ ከኣ ድንግል ማርያም፡-


√ "ሰብ ድሕነት የድልዮ ድዩ፧ ስለምንታይ፧ ብመን፧ ብኸመይ፧" ዝብሉ መንፈሳውያን ዛዕባታት ኣልዒልና፡ ንሊቃውንት ኣቦታትና እንተድኣ ሓቲትና፡ ብዙሕ ክንቀስመሉ እንኽእል ትምህርቲ ኢና ንረክብ። ብመሰረቱ፡ ከም ሓሳብ እግዚአብሔር፡ ኣምላኽ ንሰብ ዝፈጠሮ፡ ንኽወድቕ ወይ ንኽመውት፡ ወይ ድማ ትያትር ንኽጻወተሉ ኢሉ ኣይኮነን ፈጢርዎ። 

("እግዚአብሔር ንሰብ ዘይመውት ገይሩ'ዩ ፈጢርዎ። እወ፡ ብመልክዑ ዘለዓለማዎ ጔሩ እዩ ፈጢርዎ።"

 መ.ጥበብ ሰሎሞን 2፥23


√ እዚ ደኣ ይኹን'ምበር፡ በቲ ኲሉ ዝኽእልን ዝፈልጥን ባሕሪኡ ጔሩ'ውን፡ ንሰብ ቅድሚ ምፍጣሩ ክወድቕ ምዃኑ ኣቐዲሙ ይፈልጥ ነይሩ'ዩ። ንሕና ሰባት ከኣ፡ ነዚ ተመልኪትና፡ "እግዚአብሔር አምላኽሲ ካብቲ ንሰብ ዝፈጠረሉ፡ እቲ ዘድሓነሉ ጥበብ ዝያዳ ይበልጽ!" እናበልና ኢና ነድንቖ። ኣብቲ ፈለማ እዋን፡ ነቲ ብመሬት ዝተፈጥረ፡ ምስ መልኣክትን ምስ እንሥሳታትን ከኣ ዝመሳሰል ወዲ-ሰብ፡ ካብ ፈጣሪኡ ትእዛዝ ተዋሂብዎ እዩ። "እዚ ግበር፡ እዚ ኣይትግበር" ዝብላ ናይ መጀመርያ ትእዛዛት እግዚአብሔር፡ ኣዳም ንኸይወድቕን፡ ጸግኡ ዓቂቡ ክሳብ ሽሕ ዓመታት ንክጸንሕን ዝሕግዘኦ ትእዛዛት'የን ነይረን። በንጻሩ እግዚአብሔር ንሰብ ኣብ እንተታት ከውድቖ ድማ ኣይመረጸን። ማለት 'ምላልባሽ፡ ኣዳም እንተወደቐሞ፡ እታ "ሞት ክትመዉት ኢኻ" እትብል ቃለ-ፍርዲ፡ ኣብ ልዕሊ ኣዳም ብዪን እንተደኣተኻይድሉ፡ ድሕሪኡ ኣዳም እንታይ ይኹን፡ ብኸመይ ኣዳም ይድሓን፧ ዶስ፡ ኣምላኽ መሓሪ ባሕርይ እንከለዎ፡ ነቲ ዝወድቕ ኣዳም " ባዕሉ ይፍለጥ" ኢሉ ካልእ ናይ ድሕነት መገዲ ከዳሉ ኣይነበሮን....፧' 


√ ኣይፋሉን፡ ንኣዳም 'ይጥፋእ' ኢሉ እንተገዲፍዎሞ፡ ምሕረቱ ደኣ ኣበይ ኣሎ ተባሂሉ ዘውቅሶን፡ ኣብ ባሕርይኡ ሕጸጽ ዘምጽእን'ዩ፡፡ ለካ እግዚአብሔር ብዂልንትናኡ ምስ ባሕሪኡ ዝሰማማዕ ኣምላኻዊ ጥበብ ከፍልቕ ነይርዎ። "ኣዳም ክፈጥሮ እንድየ፡ እንተወዲቑ ግን ብኸምዚ መገዲ ከድሕኖ'የ" ዝብል ፍጹም ክምርመር ዘይከኣል መለኮታዊ ጥበብ ከምጽእ ነይርዎ እግዚአብሔር። 


√ እምበኣር ኣዳም ብጥበበ እግዚእብሔር ተፈጥረ፡ ኣርብዓ/ሰማንያ መዓልቲ ኣብ ምድሪ፡ ሸውዓተ ዓመታት ድማ ኣብ ገነት ተቐመጠ። ድሕሪኡ ግን በደለ።  ትእዛዝ ፈጣሪ ጥሒሱ፡ ምስ ወደቐን ምስ ሞተንከ፡ እግዚእብሔር እንታይ'ዩ ገይሩ፧ ነቲ ዘይሕሱ ፍርዱ ሂቡ። ድሕሪኡኸ፧ ብቐጥታ ነቲ ኣብ ሕልንኡ ምስጢር ገይሩ ዓቚርዎ ዝነበረ ቃለ-ትንቢት ቃለ-ጥበብ፡ ቃለ-ተስፋ ቃለ-ምሕረት እዩ ኣብ ትግባረ ኣውዒልዎ፡፡ ማለት ንኣዳም ኣተስፈዎ፡ ድሕሪ 5500 ዓመታት ከኣ ንድግል ጓል ኣዳም ኣበሰራ። 


ኣብ ድሕነት ኣዳም እጃም ዘለዎም ፍጥረታት፡-

ንመልከት!


 √ ኣዳም ምስ ወደቐ፡ ትንሳኤን ድሕነትን የድልዮ'ዩ። ድሕነት ዝብል ቃል፡  ብቐጥታ ኣዳም ናብ'ቲ ዝነበሮ ክብሪ ዝምለሰሉ ከይዲ ዝትንትን፡ ነዊሕ መንፈሳዊ መስርሕ'ዩ። እምበኣር ፈጣሪ፡ ንኣዳም ኣብ ውድቀቱ ዝሓዝኑን፡ ስሌኡ ዝጽልዩን ክሳብ ፍጹም ምድሓን ዝረክብ፡ ወትረ ነቒሖም ስለደቂ ኣዳም ዝቖሙን ኣእላፍ ቅዱሳን መልኣክት ከምዝህልዉ ገይሩ'ዩ። ኣብ ደብረ-ቅዱስ ንኣዳም ዘጸናንዑ ዝነበሩ፡ ኣብ መርከብ ናይ ኖህ ኮይኖም ተስፋ ዝህቡ ዝነበሩ፡ ኣብ መዋእለ ዕድመ ናይ ቅዱሳን ኣብርሃም፡ የሓቕ ወያዕቆብ ንባርኾት ዘይስልክዩ ዝነበሩ ቅዱሳን መላእክት፡ ኣብ ዘመነ ሙሴ ብቀትሪ ብዓንደ-ደመና፡ ብለይቲ ብዓንደ-ብርሃን ዝመርሑ ትጉሃንን ተፈራሕትን፡ ኣብ ዘመነ ኢያሱ ዘበራትዑን ፍቓድ ኣምላኽ ዘስተምህሩን ሕሩያን መንፈሳውያን ኣሕሉቕ፡ ኣብ ዘመነ ነብያት ብዛዕባ ቃለ-ትንቢት፡ ዘነብዩን ዘስተርጉሙን፡ ኣብ ዘመነ ሓዱሽ ኪዳን፡ ንሰባት ዘበስሩን ዘረድኡን.... እዚኣቶም ኲሎም ቅዱሳን መላእክት'ዮም። ዝመደቦምን ዝፈቐደሎምን ድማ እግዚአብሔር'ዩ። እሞኸ ደኣ፡ ነዚ ኲሉ ግብሮምን ውዕለቶምን ረሲዕካ፡ ከመይ ኣቢልካ ኣብ ድሕነትና ተራ የብሎምን/ኣይነበሮምን ክበሃል ይከኣል፧

ብፍጹም!

ቀሌሜንጦስ 3፡ ኣክሲማሮስ ዘዓርብ፡ ዘፍ 48፥16፡ 

ዘጽ 13፥21፡ ሉቃ2፡26-27


√ ካብዚ ኲሉ ዝተገልጸ፡ ኣዝዩ ዘገርም ሓቂ ግን ኣሎ። እዚ ድማ፥ ኣዳም ምስ ወደቐ፡ ንምድሓኑ ኢሉ ኣምላኽ ዘዳለወሉ ህያብ'ያ፡ ድንግል ማርያም። እዛ ሕያብ'ዚኣ መዓስ'ያ ተዳልያ፧ ኣዳምከ ብዛዕባኣ መዓስ'ዩ ሰሚዑ፧ ንምንታይ ዕላማ እያኸ ተዳልያ፧ ማለት ኣገልግሎታ ኣብ ገነት ንዝነበረ ኣዳም ድያ ዋላስ ንዝተሰደ ኣዳም፧ ርግጽ'ዩ ዋላ ደኣ እግዚአብሔር ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ሓርይዋን፡ ንምድሓን ደቂ ሰባት ቀሪብዋን ይንበር'ምበር፡ ኣዳምን ሔዋንን ግን ብዛዕባኣ፡ ከይወደቑ እንከለዉ ኣይኮኑን ተነጊራቶም። እወ፡ እቲ ኣምላኻዊ ፍርድን ፍትሕን ናይ ፈጣሪ ርዱእ'ዩ። ኣዳም እንተደኣ ወዲቑ፡ ክመዉት'ዩ። ስጋኡ ናብ መቓብር፡ ነብሱ ናብ ሲኦል ክድርበ'ዩ። እዚ መለኮታዊ ፍርድን ብዪንን ስለዝኾነ፡ ብዜይካ ባዕሉ ኣምላኽ፡  ካልእ ማንም ፍጡር መጺኡ፡ ንናይ ኣምላኽ ፍርዲ ስዒሩ፡ ንኣዳም ናጻ ክገብሮ ዝኽእል ዋላ ሓደ የለን። ንእግዚአብሔር ዝሰኣኖ ግና እንታይ ኣሎ፧ "እስመ ኣልቦ ነገር ዘይሰኣኖ ለእግዚአብሔር!"

(ዘፍ 18፥14፡ ሉቃ 1፥37)


√ እዚ ኣናኾነ እንከሎ፡ ማለት ኣዳም ዳግማይ ካብ ሞት ክድሕን እንተኾይኑ፡ ብኣምላኹ ተፈሪዱ ብኣምላኹ'ዩ ክድሕን ዘለዎ፡፡ አምላኽ'ውን ሞት ዘይሰማምዖ ድአ ይኹን እምበር፡ ግድን ሞት ክቐምስ ነርዎ። ምኽንያቱ እቲ ተበጃውነት ሞት ቀሚስካ እንተዘይኮይኑ፡ ብኻልእ ብዘይ ሞት ዝመጽእ ተበጃውነት፡ እቲ ኣምላኻዊ ፍርዱ ምስቲ ኣምላኻዊ ምሕረቱ ክዛባዕ'ዩ።

(እብ 9፥22፡ ራእ 1፥17-18) 


√ ሞት ክቐምስ እንተኾይኑ ከኣ ብስጋ'ዩምበር፡ መሎኮትሲ ሞት ኣይሰማምዖን'ዩ። ስለዚ ካብ ባሕርይ ኣዳም፡ ሓጢኣትን መርገምን ዘይለኸፋ፡ ኣብ ውሽጢ ሰብነት ኣዳም ኴና እተብርህ ኣካል ከዳሉ ነይርዎ ፈጣሪ። እዛ ባሕርይ'ዚኣ፡ ካብቲ ጥንታዊ ኣዳም ቅድሚ ምውዳቑ ዝነበረት ባሕርይ ኣዳም'ዩ ከዳልዋ ዘለዎ። ከመይ ገይሩ ይከኣሎ፡ ንዝብል ሕቶ፡ ኣብ ከሀልነት እምላኽ ምጥርጣር'ዩ ዘስምዕ። እወ፡ 'ንሔዋን ብኣምላኻዊ ኦፕሬሽን፡ ካብ መሰንገለ ኣዳም፡ ኣውጺኡ ንክፈጥራ ዘየጸገሞ፡ ኣብ ማሕርይ ኣዳም ተሰሲጋ፡ ሓጢኣት ዘይለኸፋ ዳግማዊት ሔዋን ንኸዳሉ ይጽግሞ'ዩ' ምባል የዋህነትን ክእለት አምላኽካ ዘይምርዳእን'ዩ። ሐራይ 'እዚ ኲሉኸ መዓስ'ዩ ተሓሲቡ' ኢልና እንተደኣ ሓቲትና፡ ናብቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ኢና ንምለስ።

 

√ "ኣብ ቅድሚኡ ቅዱሳንን መንቅብ ዘየብሎምን ምእንቲ ክንከውን፡ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ኃረየና። ስለዘፍቀረናን ጽቡቕ ፍቓዱን መደቡን ስለዝነበረን ከኣ፡ ንርእሱ ውሉድ ክንኮኖ፡ ብኢየሱስ ክርስቶስ ቀደም መደበና። (ኤፌ1፡4-5)"


ተመልከት፡-

√ መን'ዩ ሓርይና፧ እግዚአብሔር።

√ መዓስ ሓርይና፧ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም።

 √ ምስ ምንታይ ኣነጻጻጺሩ ሓሪዩና፧ ምስ ፍጥረታቱን ካብ ኲሎም ፍጥረትን ኣብሊጹ።

√ እንታይ ክንከውን ደልዩ'ዩ ሓሪዩና፧ ቅዱሳንን መንቅብ ዘየብሎምን፡ ውሉድ ክንኮኖን ኢሉ መሪጽናን ሓርይናን።

√ ብመን'ዩ ሓሪዩና፧ ብኢየሱስ ክርስቶስ።

ኢየሱስ ክርስቶስ ማለት፡ ስጋ ምስ ለበሰ ዝተዋህበ፡ ናይ ተዋህዶ ስም'ዩ።

√ ኣብዚ ናይ ተዋህዶ መስርሕ'ዚ፡ ድንግል ማርያም ቦታ ኣለዋዶ የብላን፧ እወ ኣለዋ፡ ግንድን ከኣምበር። ኢየሱስ ክርስቶስ ዝበሃል ኣምላኽ፥ ኣብ ምድሪ ሓንቲ ኣደ፡ ኣብ ሰማይ ከኣ ሓደ ኣቦ ኣለዎ። እታ ኣደ፡ ቅድስት ድንግል ማርያም'ያ፡ እቲ ኣቦ ድማ ናይ ባሕርይ ኣቡኡ እንግዚአብሔር ኣብ'ዩ። 


√ ብኢየሱስ ክርስቶስ ቀደም ካብ መደበና፡ እቲ ኣምላኻዊ መደብ፡ ድሕሪ ውድቀት ኣዳም ድዩ ዋላስ፡ ኣብ ገነት ንዝቕጽል ሕይወት ኣዳም'ዩ ዘመልክት፧ ኣይፋሉን፡ ኣዳም ትእዛዝ ሓልዩ፡ ካብ ዕጸ በለስ ከይበለዐ ሽሕ ዓመት እንተዝጸንሕ፡ ኣምላኽ ምውላድን ኣብ መስቀል ምስቃልን ኣይመድለዮን። እዚ ዝተጠቕሰ መደብ ኣምላኽ ግን፡ ንእንተታት ኣዳም ንምሽፋን ተባሂሉ ዝተዳለወ ኣምላኻዊ መደብ'ዩ። ኣዳም ካብ ገነት ድሕሪ ሸውዓተ ዓመታት ወዲቑ ምስ ተሶጐ ከኣ፥ ተስፋ ዘለዎ ብስራትን ቃል ኪዳንን ካብ ፈጣሪኡ ተዋህቦ። 

" ኣጆዃ፡ ኣይትሕዘን፡ ኣይትብከ፡ ካብ ጓል-ጓልካ ተወሊደ፡ መከራ መስቀል ተቐቢለ ከድሕነካ'የ" ዝብል ጥዑም ብስራታዊ ተስፋ ተነግሮ።

(ቀሊሜንጦስ 3፡ ዘፍ 3፥21)


√ ደቂ ኣዳም ደኣሞ ካብ ኣቤልን ቃየልን ጀሚርካ ክሳብ ድንግል ማርያም፡ ኣብ ስደት ዝውለዱ ናይ መርገም ዘርኢዶ ኣይኮኑን ክኾኑ ዘለዎም፧ እወ! ብዘይካ ድንግል ማርያም፡ ብመርገመ ስጋ ወነፍሲ ዝተገዝኡ እዮም፡፡  ሓንቲ ተረፍ ዘርኢ ብኣምላኻዊ ጥበቡ ካብ ባሕርይ ኣዳም ከምዘትረፈ ግን ክዝንጋዕ የብሉን። ኣዳም'ውን ንባዕሉ ብኸመይ ናብ ገነት ይምለስ ይፈልጥ ስለዘይነበረ'ዩ፡ ንኣስታት 100 ዓመታት ዝሓዝንን ዝበክን፡ ሱባኤ ዝኣቱን ዝነበረ። ዳሕሪ ብዙሕ ገድሊ ግን ብዛዕባ ድንግል ዝምልከት ቃል-ኪዳን ተነግረ። እቲ ምስጢር ስለዝተነግሮ ከኣ'ዩ፡ ብተስፋ ክጽበን ንደቁ ሃይማኖት ከስንቕን ከምዘለዎ ዝተረደአ።

ኢሳ 1፡8-9፡ መቅድመ ተኣምረ-ማርያም፡ ቀሊሜንጦስ፡ ኩፋሌ


 √ ብሕጽር ዝበለ ቋንቋ፡ እግዚአብሔር ንኣዳምን ዘርኡን፡-  "ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ እትበሃል ጓል-ሰብ፡ ነቲ ናይ ባሕይርይ ወደይ፡ ብስጋ ናይ ባሕርይ ዉላዳ ብምዃን፡ ኣብ ማሕጸና ክቕመም'የ። ሽዑኡ ፈውሰ-ስጋ ወነፍስ ኴነ ክመጻካ'የ።  ኣምላኻዊ ናይ ባሕርይ ስመይ፡ ብዘይምልዋጥ፡ ብተዋሕዶ፡ ናይ ባሕርይ ስምካ ወሲደ ክግለጽ'የ። ብድንግልና ተጸኒሰ፡ ብድንግልና ክውለድ'የ። ሽዑኡ እቲ ተገፊፉ ዝነበረ ጸጋኻ ክምለስ'ዩ። ደቂ ዲያብሎስ ዝነበሩ ደቅኻ፡ ብምኽንያት እታ ድንግል፡ ደቀይ ክገብሮም'የ። ብሰንኪ ሓጢኣትካ ከሲርካያ ዝነበርካ ርስቲ መንግስተይ፡ ብምኽንያት እታ ቅድስቲ ድንግል፡ ክቡር መንግስተይ ከውርሶም'የ ንደቅኻ። ብምኽንያት ሰበይትኻ ሔዋን ምውታት ተወሊዶማ ዝነበሩ ምድሪ፡ ብምኽንያት እታ ዳግማዊት ሔዋን፡ ሕያዋን ክገብሮም'የ። ሔዋን ጸጋኣ ስለዘይተጠቕመትሉ፡ ኣደ ምዉታን እያ ኴና፡ ድንግል ማርያም ግን ኣደ-ብዙሓን ክትበሃል'ያ። 'እነሀት ኣዴኹም'፡ ኢለ ኣደይ ክንሳ ከይበቐቕኩ ብባርኾት ክህበኩም'የ" እናበለ፡ ንኣዳም ይኹን ንዘርኢ ኣዳም ደጋጊሙ ቃሉ ዝነግረሎም ክፍሊ ቅዱሳን መጽሓፍቲ ኣዝዮም ብዙሓት'ዮም።

(ኢሳ1፥9፡ ዘኅልቅ 24፥17፡ ዮሐ 19፡26-27፡ ውዳሴ ማርያም ዘረቡዕ፡ ግብረ-ድንግል)


4ይ ክፋል….


ደጊምናኸ እንታይ ክንብል ኢና፡-

√ ብሕጽር ዝበለ፡ ድንግል ማርያም ኣብ ነገረ-ድሕነትና እንታይ'ዩ እጃማ፧ 

+  ኣምላኽ መዲብዋ ብምንባሩን ኣብ ገነት ንዝነበረት ንጽሕይቲ ባሕርይ ኣዳም ሒዛትልና ብምጽናሓን።

+ ነቲ ዝተመደበትሉ ሕርያ፡ ብቑዕ ምግባረ-ሃይማኖት ሒዛ ስለዝተረኽበት። ብዘይካ'ዚ'ውን፡ ቅድሚ ካብ ኣዴኣን ኣቡኣን ምውላዳ፡ ንጽሕትን ቅድስትን ምንባራ። ቅድሚ ምጽናሳ ንጽሕቲ ድንግልተ ሕልና'ያ፡ ድሕሪ ምጽናሳን ድሕሪ ምውላዳን ውን ዘለኣለማዊት ንጽሕተ ድንግልተ ሕልና'ያ። 

(ዉዳ.ማርያም ዘረቡዕ ኆሐትሰ፡ መቅድመ ተኣምረ ማርያም)


+ ከምቲ ዝበልካዮ ይኹ፡ (ኣሜን) ብምባላ፡ ኣብ ነገረ-ድሕነትና ዝገበረቶ ኣበርክቶ ቀሊል ኣይኮነን።

+ ነቲ ምሉእን ሰፊሕን ዝኾነ ኣምላኽ፡ ብፍርሓትን ራዕድን ዘገልግልዎን ፈጣሪኦም እግዚአብሔር፡ ኣብ ማሕጸና ተወሲኑ ስለዝተወልደ፡ ንቅዱሳን መላእክት ከይተረፈ ዓቢ ውዕለታ እያ ገይራትሎም፡፡ ኣምላኾም ክርእይዎን ብሓጺር ቁመት ብጸቢብ ደረት ተወሲኑ ንኽግለጽ፡ ምኽንያት ስለዝኾነትሎምን ኣመስጊኖም ኣይጸግብዋን'ዮም።

(ኣንቀጸ-ብርሃን፡ ዘኮንኪ)


+ መታን ክንበልዖን ክንሰትዮን ኢሉ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ ናይ ፋሲካ ኣማናዊ ገንሸልና ጎይታ፡ ፍረ-ማሕጸና ስለዝኾነ፡ ማሕጸና ዓቢ መንፈሳዊ መሶበ-ወርቅ'ዩ ንዓና። ብገዛእ ፍቓድን ድሌትን ደቂ ኣዳም፡ ፍረ-በለስ ምስተቐንጠበት፡ ናብ ደቂ ሰባት ሞት ዝበሃል ሓይሊ መጺኡ ነበረ። ብሰናይ ፍቓድን ድሌትን ድንግል ግና፡ ናይ ሕይወት ብልዒ ኣብ ማሕጸና ተቐሚሙ ተገልጸ። ፍረ-ማሕጸና ንክርስቶስ ምስ ሃበና፡ እቲ ዘይድፈር ሞት ተሰኒፉ፡ ሓይሊ ሲኦል ተበርቢሩ፡ ተስፋ ሕይወት ዝበሃል ሓይሊ፡ ካብ እግዚአብሔር ተፈንዩ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ነገሰ።

(ውዳ.ማርያም ዘሐሙስ፡ ትምክሕት)


+ ንሳ ኣደ ኣምላኽ ሳላ ዝኾነት፡ ንሕና ደቂ ኣምላኽ ዄንና።

+ ንሳ ዝሓለፈቶ መንፈሳዊ ገድሊ፡ ንወዳን ገዛእ ርእሳን ከይበቐቐት፡ ብፍላይ ወዳ፡ ብስደትን ጽምእን ጥሜትን እናኸርተተ፡ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ እናተቐንዘወ፡ ኣብ መቓብር እናተቐብረ፡ 'ወሸለ ደቂ ሰባት ድሒኖምለይ' ኢላ ብምሕሳብ፡ ቅናታ ሽጥ ኣቢላ ብምጽማማ፡ መምህረ-ድሕነት ኮይናትና'ያ ንዓና። 


+ንሳ ዝሓለፈቶ ገድሊ፡ ካብ ጽንሰታ ክሳብ ዕረፍታ፡ ን64 ዓመታት ዘሕለፈቶ ኣማናዊ ናይ ክርስትና ገድሊ፡ ብኣይ ብድኹም ባርያ እግዚአብሔር፡ ጸዊኻ ዝውዳእ ኣይኮነን። እዚ ዂሉ ኣብ ድሕነትና ዝተገልጸ ከመይ'ሉ ኣቃሊልካ ክረአ ይከኣል፧ ኣብ ነገረ-ድሕነትና ኣዝዩ ዓብይን ዝምስገንን እጃም'ዩ ዘለዋ ድንግል።


+ ጸሎታን ቃል ኪዳናን እንተደኣ ተቐኒትና'ውን፡ ክሳብ ምጽኣተ-እግዚአብሔር ዝዓዪ ዓቢ መንፈሳዎ ሕያብ'ያ ንሳ ንዓና። 


5ይ ክፋል….

ዝጠራጠሩን ዘጠራጥሩን፦


√ ብዛዕባ ድንግል ማርያም ኣብ ድሕነት ደቂ ሰባት ተራ ምህላዋ ዝጠራጠሩ ሰባት ኣለዉዶ፧መሊኦም! እረ ሰባት ጥራይ ዘይኮኑስ፡ እንተላይ ካብ ወገን ተፈጥሮ መላእክት'ውን ኣለዉ'ዮም። መላእክት ክብል ከለኹ ግን ብተፈጥረኦም መላእክት፡ ብግብሮምን እምነቶምን ግን ኣዝዮም ክፉኣት ንዝኾኑ፡ ነቶም ርኹሳን መላእክት'የ።

("እቲ ገበል ከኣ በታ ሰበይቲ ተቖጠዐ...።")

ራእይ 12፥17


ስለቅድስናን ንጽሕናን ድንግልከ፡-

√ ካብ መዓስ ጀሚራ'ያ ቅድስን ድንግልን ኮይና፧ ካብ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም። ግብረ-ጽድቂ ከይጀመረት ቅድስትን ንጽሕትን ድንግልን ነይራን ኣላን።

(ኤፌ 1፡4፡ ሮሜ 8፥29)

√ ከይተወልደት እንከላ ንጽሕቲ ነይራ፧ እወ ነይራ!

(ተኣምረ ማርያም፡ ቅዳሴ ማርያም፡ ውዳሴ ማርያም ዘረቡዕ፡ ግብረ-ድንግል፡ ሃይማኖት ኣበው)


√ ሓጢኣትን መርገምንከ ኣይሓለፋን ድዩ፧ ብፍጹም ኣይሓለፋን፧

√ ድሒናዶኸ፧ ካብ ምንታይ፡ ካብ ሓጢኣት ኣዳም፧ ምስ ሓለፋ ዘይኮነስ፡ ንከይሓልፋ ኢያ ድሒና። ካብ ኣዳማዊ ሓጢኣት፡ ዝኾነ ዕጣር ሓጢኣት ንከይሓልፋ፡ ባዕሉ ፈጣሪ ብዝኽእሎ ጥበብ ኣቐዲሙ ዓቂብዋ'ዩ ነይሩ። ደቂ ሰባት ድንግርግር ንኸይብሎም ኢሉ ድማ፡ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ደጋጊሙ ብዛዕባኣ ይነግሮም ነይሩ'ዩ። ካብቲ ዝቐትል ሓጢኣት ኣቐዲሙ፡ ቅድመ ኲነት ስለዝዓቀባ ከኣ፡ እዚ ተዓቅቦት'ዚ ምስ ምድሓን'ዩ ዝቚጸር። ነዚ ስለእትፈልጥ ድማ ንሳ፡ 

"ብኣምላኸይ ብመድሓንየይ…"  ኢላ'ምበር፡ ሓጢኣት ኣዳም ሓሊፍዋ ስለዝነበረ ኣይኮነን። 


√ ኣብ ተፈጥሮኣን ልደታን፡ እታ ኣዳም ክፍጠር እንከሎ ዝነበረቶ ጽርይቲ ብርለ፡ ንጽሕቲ ባሕርይ ሒዛ'ያ ተረኺባ። ተጸኒሳ እንከላ ምዉት ኣተንሲኣ፡ ኣብ ቤት-መቕደስ ብመልኣኽቲ ተኸሊላ ዓብያ። እቲ ዘገርም ብዛዕባ እታ ንክርስቶስ እትወልድ ድንግል ንሳ ምዃና እናሰመዐት ዝዓበየት'ኳ እንተኾነት፡ ብትሕትና ተመሊአ ግን፡ "ኣነስ ኣገልጋሊት ናይታ ንክርስቶስ እትወልድ ሰበይቲ ምኾንኩ" ኢላ ትጽሊ ነይራ። ዋላ እቲ በዓል ጥዑም ብስራት ዝኾነ ቅዱስ ገብርኤል ከበስራ እንከሎ፡ ኣቐዲማ ንሳ ምዃና ጽንጽንታ ነይርዋ ክንሱ፡ ኣደ ክርስቶስ ንሳ ምዃና እናፈለጠት፡ ትሕትናኣ ይከራኸሮ ነይሩ ነቲ መልኣኽ። 


√ ኣብ መወዳእታ'ዉን፡ "...ኣነ ባርያ እግዚአሔር'የ!" ኢላ'ያ ብፍጹም ትሕትና መሊሳትሉ። እቲ መልኣኽ ነቲ ጥንታዊ ዘይወደቐ ኣዳም ስለዘዘኻኸረቶ፡ ብቅድስናኣ ፍጹም ተገሪሙን ተመሲጡን'ዩ። ኣዳም ምስተፈጥረ፡ እቲ መልኣኽ ምስቶም ብጾቱ ቅዱሳን መላክት ኴኑ ንኣዳም እናመስገነ ናብ ገነት ከምዘእተዎ፡ ነዛ ድንግል'ውን ኣመስጊኑ ምጽጋብ ስኢንዋ'ዩ።


+ እሞ እዛ ድንግልሲ ጥንተ-ትብሶዶ የብላን'ዩ፧ ድንግል ማርያም ጥንተ-ቅድስና እምበር፡ ጥንተ-ተኣብሶ ብፍጾም የብላን።

+ እንታይ ደኣ መልኣከ ገብርኤል መጺኡ'ዩ ኣንጺሕዋ፡ ዝብሉ ሰበኽቲ ንሰምዕ ዘለና፧ ሓሰውትን ስሑታንን መምሃራን ደኣ ብዛዕባኣ ገና ካልእ'ውን ክብሉ'ዮም። 


ተመልከት፦

+ እቲ መልኣኽ ሓጢኣት ኣዳም ወይ ናይ ውርሲ ጥንተ ተኣብሶ ክቐርፍ ስልጣን ተዝህልዎ፡ ኣቐዲሙ ንብዙሓት ቅዱሳን ሰባት'ውን ኣበሲሩ'ዩ። ንኣብነት ቅዱስ ነብይ ዳኒኤልን ቅዱስ ካህን ዘካርያስን በዚ መልኣኽ'ዮም ተበሲሮም'። ኣዳማዊ ሓጢኣት ክሓድግ ስልጣን ተዝህልዎስ፡ እቲ መልኣኽ ብባሕሪኡ ለዋህ ስለዝኾነ ንዓኣቶም'ውን ከልግሰሎም ኣይምጸገሞን። ግን ስልጣኑ ንኸምኡ ዝምጥን ኣይኮነን። 


+ እቲ መልኣኽ ጥንተ-ተኣብሶ ከልግስ ስልጣን እንተተዋሂብዎ፡ ናይ ክርስቶስ ኢየሱስ ምውላድ ኣድላዪ ኣይምኾነን።

+ ጠንተ-ተኣብሶ ክሳብ ሞት ቀሚስካ ዝፍታሕ ኣምላኻዊ ሰንሰለት ደኣምበር፡ ዝኾነ ማንም ፍጡር መጺኡ ክቚርፎን ከርሕቖን ዝኽእል መሸጎር ኣይኮነን። 

+ ድንግል ማርያም ብስጋ ሙማታ ምስ ጥንተ-ተኣብሶዶ ኣይቊጸርን፧ ብፍጹም ኣይቊጸርን'ዩ። ንሳ ብስጋ ዝዓረፈት፡ ንሕና ሓጢኣን ብጸሎታን ቃል ኪዳንናን እናተጠቐምና መታን ክንነብር ኢሉ'ዩ እግዚአብሔር ከምተዐርፍ ገይርዋ። እምበር ንቅዱስ ሄኖክን ቅዱስ ኤልያስን  ሞት ንከይጥዕሙ ዝፈቐደ ኣምላኽ፡ ንወላዲቱ ሞት ከይቀመሰት ክወስዳ ጸጊምዎ ኣይኮነን።

ተኣምረ-ማርያም


+ ካልእ'ውን፡ ሞት ብምቕማሳ፡ ምስ ጥንተ-ተኣብሶ እንተድኣ ኣተሓሒዝናዮ፡ ብስጋዊ ሞቱ ዝተበጀወና ወዳ ኢየሱስ ክርስቶስ'ውን፡ ጥንተ-ተኣብሶ ስለዝነበሮ'ዩ ብስጋ ሞይቱ ናብ ዝብል ክሕደት ክወስደና' ኢና።

 ሎቱ-ስብሐት!

+ ጥንተ-ተኣብሶ ዘለዎ ባሕርይ፡ ንርእሱ ከይደሓነ ንኻልኦት ከድሕን ኣይክእልን'ዩ።

+ ብተወሳኺ ስጋዊ ሞት ዘይቀመሱ ርኩሳን ኣጋንቲ'ውን ኣለዉ፡፡ እምበኣር ሰሪ ዘይምማቶም ጥንተ-ተኣብሶ የብሎምን ናብ ዝብል ድፍረት ክወስደና'ዩ።


+ ስለዚ ናይ'ቲ መልኣኽ ኣገልግሎት እንታይ'ዩ ንበል፧ ብዛዕባ ድንግል ማርያም፡ ኣምላኾም 'ኽግለጸሎም ምዃኑን፡ ኣብ ማሕጸና ኮይኖም ዕጣነ-ቅዳሴ ከካይዱ ምዃኖምን ስለዝተነግሮ ከመስግና፡ ቀጺሉ ከኣ ደቂ ሰባት ክድሕኑ ምዃኖምን፡ ብዂሉ ማእከለ-ድሕነት ድማ እታ ዝበለጸት ምኽንያት ንሳ ምኳናን ከበስራ ኢሉ'ዩ መጺኡ። ካብዚ ወጻእ ካልእ ጉዳይ ከተግብር ኣይተላእከን።


6ይ ክፋል…

3. ኣብ ከይዲ ሕይወት ወዲ-ሰብ፡ ዓቢ ተራ ዘለዎም ካልኦት ፍጥረታትከ፡-


√ እጃምን ኣበርክቶን ናይ ሓመድን ማይን ኣብ ነገረ-ተፈጥሮና ብመጠኑ ኣብ ላዕሊ ዘትየ ነይረ።  ከምኡ ስለዝኾነ'ውን'ዩ፡ እግዚአብሔር ካብ ሓመድ ሕሩይ ሓመድ፡ ካብ ማይ ምሩጽ ማይ.... ቀዲሱ ብምፍላይ፡ ዋላ ድሕሪ ተፈጥሮና ከይተረፈ ንጸበልን ማየጸሎትን፡ ክንጥቀመሉ ዝፈቐደልና። ምኽንያቱ ማንዋል ናይ ሕይወትና ኣብ ኢዱ'ኳ እንተኾነት፡ ሓመድን ማይን ሓደ ካብቶም ንዓና ንምስራሕ ኢሉ ከም ቀመም ዝተጠቐመሎም ፍጥረታት'ዮም።

ኣብ ወንጌል'ውን ሓደ ብዕዉሩ ዝተወልደ ሰብ፡ ፈጣሪና፥ ጸበልን ማየጸሎትን ብምውሳድ፡ ነቲ ዓይነ-ስዉር ከምዝርኢ ከምዝገበሮ ዘረድእ ንጹር ጽሑፍ ሰፊሩልና ኣሎ።

(ዮሐ 9፡ 2ይ ነገ 5)


√ ኣብ ዓድና ኤርትራ ዘለዉ፡ ናይ ጸበልን ማየ-ጸሎትን ቅዱሳን ቦታታት ንጹርን ሕያውን ኣብነት'ዮም። ኣብ ዕለታዊ ጸሎትና፡ ማይ ድጋም ንጥቀም ኢና። ክንሰግድ እንከለና እንስዕሞ መሬት'ዩ፡ ቅዱስ ስግኡን ክቡር ደሙን ዝፍተትውሉ ስፍራ፡ ብእምንን ሓመድን ማይን ዝተሃምጸ ቅዱስ ቤት'ዩ። ንባዕሉ እቲ ቅዱስ ቊርባን፡ ካብ ወይንን ሕብስትን ዝዳሎ ኴኑ፡ ኣብ ዕለታዊ ናይ ድሕነትና ከይዲ፡ ዘለዎ ኣስተዋጽኡ ንምምልካቱ ዝከኣል'ዩ። መዓልታዊ እነንብቦን እንሳለሞን ቅዱስ መጽሓፍና፡ ብግኡዝ ፍጥረት፡ (ካብ ገረብን ውጽኢት ኣትክልትን ዝኾነ ቀለምን) ዝተሰርሐ ምዃኑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ቅዱሳን ኣሳእልና፡ ብወረቐትን ቀለምን ዝተዳለዉ'ዮም። 


√ እዚ ኲሉ ዝተጠቕሰ ፍጥረት ኣምላኽ'ዩ። ኣብ ድሕነትና ይኹን ከይዲ ሕይወትና ድማ ማዕረ ክንደይ እጃም ኣለዎም ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። ንባዕሉ ካህን ይኹን እቶም ዕለታዊ ከይሰልከዩ፡ ምሂሮም መልእኽቲ ወንጌል ዘረድኡናን ዝምህሩናን መምሃራን፡ ብጹትና፡ መሓዙትና ብጠቕላላ ኲሎም ሰባት'ዮም። ሰብ ድማ ፍጡር'ዩ። እዚኣቶም ኲላቶም ኣብ መንፈሳውነትና ማዕረ ክንደይ እጃም ኣለዎም፡ ቀሊል ግምት ክህንህቦ ኣይግባእን።


√ ቅዱስ ኣቡነ ፓውሊ፡ ብምኽንያት ሓደ ሃብታም ዝነበረ ሰብ፡ ድሓር ግን ሓሚሙ ዝዓረፈ ሬሳ ተደሪኹ፡ ክሳብ ብሕትውና ከምዝበጽሐ ገድሎም ይነግረና፡፡ "ኣብ ብሕትውናዊ ጸጋኻ ዓቢ ተራ ዘለዎ ኣካል መን'ዩ" ኢልና እንተንሓቶ ኸኣ፡ ብቐጥታ ነቲ ሬሳ'ዩ ዝጠቕሰልና ቅዱስ ፓውሊ።


√ መንፈሳዊ ኣቦ ዜማ ቅዱስ ያሬድ፡ ናብ ትምህርቲ ቤተ-ክርስትያን ብምምልካት ካብ ተስፋ ምቚራጽ ክትንስእ ዝኸኣለ፡ ክሳብ ዜማ መላእክት ክመሃር ዝበቐዐ፡ ነቲ ሸውዓተ ግዜ ወዲቑ ዝተንስአን ዝተዓወተን ጻጸ ስለዝተመልከተ'ዩ። እሞ ጻጸስ ንቅዱስ ያሬድ ጠቒምዎዶ ኣይጠቐሞን፧ እረ ንዓና'ውን እቲ ጻጸስ ብተዘዋዋሪ መገዲ ጠቒምና'ዩ።


 √ ስጋዊ ናብራና'ውን ንመልከት። ዕለታዊ እንምገቦ፡ እንሰትዮ፡ እነስተንፍሶ፡ እንለብሶ፡ እንኽደኖ፡ እንድቅሰሉ፡ እንንቀሳቐሰሉ፡ ኲሉ ፍጥረት ኣምላኽ'ዩ።


√ ስለዚ ኖንዶ እታ ኣደ ኣምላኽና ዝኾነት፡ ቅድስቲ ድንግል ማርያምሲ፡ እዞም ኲሎም ዝተጠቕሱ ፍጥረታት'ኳ፡ ኣብ ኲልንትናዊ ስብእናናን ድሕነትናን ዕለታዊ ከይዲ ሕይወትናን፡ ልዑል ተራ ኣለዎም።


ስብሐት ለእግዚአብሔር በሰማያት፡ ወሰላም በምድር ስምረቱ ለሰብእ፡ አሜን!

ሕቱም-መጽሓፍ

søndag 20. mars 2022

ጠንቋሊት-ዓድና

 በስመ-ሥላሴ


"ናብራ-ጻዕጺዑ

ተስፋይ ተጸንቂቑ

ፍልጠትኪ ኣካፍሊ

ጽባሕሲ

'ታይ'የ ዝኾኖ ገለባ በሊ"


'ና ክብሉ ብዙሓት ይገሽዋ

ስማ እንክዝንጠል ይፈርሕዋ

ጉዳም የምልኽዋ

"ጣዖትዶ ኣይኮነትን

ክንድዚ ትሽንንዋ

ሰብ ክንሳ ሰማይ ትሰቕልዋ"

ኢሉ ይፋጠጥ ነይሩ ሓደ

ኣድቂቑ ዝፈልጥ ብዛዕባኣ በብሓደ


ገብረ'ዩ ስሙ

ኣይጸርፍ ኣይሓሚ ትም ብሕትሙ

ይሓርስ ይጓሲ ይመሃር ብዓቕሙ

ጥርቁው ንፉዕ

ኣብ ኲሉ የድምዕ

ብሓቂ ኄር እዩ

ጠልቀፍቀፍ ዘይንታዩ

ጠንቋሊት ዓድና ግና ተቕሕሮ

'ዚ ዂሉ ተጋብሮ

ከመይ'ሉ ክጸሮ


ገሊኦም ብሰንካ ሓዳሮም ማሲኑ

ያኢ ፍታሕ ደልዮምሲ ብፍትሕ ይብተኑ

ንሳ ትብሎም 

ፈውሲ'ሎ ኣብቲ ደንበ

'ገንዘብሞ ክፈሉ

ኪዱ ፍሓሩ'

ኢላ መኺራ

ተኻሊኡ ነጊራ

ጽልኢ ተሳውረሎም

ምስቲ ኣውራ ሰቦም

ግዳይ ትገብሮም


ወዮ ሰብ ጉዳይ

ሓዳሮም ይድርበ

ስራይ ክብንቊሩ

ኣብ ሳጹና ገንዘቦም ይድርድሩ

ሓዳሮም በቲኖም ሰቦም ይኸስሩ


ነዚ 'ናረኣየ ኣይደቀሰላን ገብረ

ተዛሪቡ ዘይክእል

እዚ ይኹን እቲ ፍጹም ዘይብል

ግና

ብዛዕባኣስ ክንደይ'ኳ ምመደረ

ንሳ ክትጥንቊል

ሰብ ከተቃትል

ካህን ኣይትብል

ሊቕ ንዂሉ ትዝንጥል

ንሱ ክትልም ከጒርሕ ንዓዱ

ጉዳ ከቃልሕ ናይ መገዳ ጉዱ

 ሰለም የለን!


ሓደ መዓልቲ'ዩ

ከይድዋ ኣጸምዩ

ታይ ግዱ

ከሕፍራ'ንድዩ ዓጢቑ

ሕዝቡ ከንቅሕ ከፍልጢም ሓቁ


'ከላእ!

ምዃን ንዝግሔር'ኳ ዘይፈርሐቶ

'ታይዶ ተሪፍዋ'ዩ ዙፋኑ ዘይነጠቐቶ

ዓዲ-በዓዱ ሸቖጥቈጥ ኣቢላቶ

ኣይተልዕሉ ስመይ ብኸንቱ

ንዝብል ትእዛዙ'ኳ 'ንሄት ንሳ ወሪሳቶ'


ኢሉ 'ናሓሰበ ናብ ቤታ መጽዩ

ኢደ-እግሩ ብጅንኑ ወፍዩላ ዕንቊ

ለኽፊ'ዶ ፈልቊ

ታይ'ዩ ነገሩ

በጃኺ ነርኒ ካብ ሱር መበቈሉ

ኢሉ 'ናሕነቕነቐ መሲሉ ዝተጨነቐ


ከም ሽጉር ኴኑ ሓቲትዋ ምስጢሩ

ብዙሕ ምስ በለት ኣርእይዋ ገንጺሉ

ያኢ ሕማም ዘየለስ ፈውሲ ክትእዝዘሉ

ሃንደበት!

'ጥዑይ'የ' ኢሉ መደረ ብዓውታ

ብወጮ ንሳ ተዓቢጣ

ንሱ ይምድር ክጎብጣ 


ሓዝ-ፈኑ ኮይኑ

'ታይ ተሪፍዎ ቤታ ክዓኑ

ለካ ነይሮም'ዮም'ባ ዝጸናጸኑ

ንሱ ዝወደቦም ብሑጓ

ምስክር ክዀኑ በኣጋ

ንጠንቋሊት ዓድናስ ብማሕፉዳ

ሰሚዖሞ ኲሉ ጉዳ


'ታይሞ ይገበር

ንሳዶ ከይትሓድግ ልምዳ

ዘይሕጅስ ብዙሕ ዝኸዳ

እዛ ጠንቋሊት ደኣ

ሎምስ ኣሪጋዶ ትህሉ

ወይሲ ዓዲ ዂልና ኴዳ

ምዃን መልክዓ'ያ ቀይራ

እምበር እነሀት'ንዶ ሕጅስ ምሳና ተሰሲዳ

ሎቱ-ስብሐት!






søndag 28. november 2021

ኣእምሮ ስምዒታቱ ክለዋውጥ፡ መን'ዩ ተሓታቲ፧

በስመ ስላሴ





√ ናብ ሕልና ኣቢሎም ዝውርወሩ ረቀቕቲ ኣእሻኽ፡ መእተዊኦም ብመሳኹቲ ኣዕይቲ'ዩ።
√ ልዕሊ ዕንጒለ ዝዕርዕሩ ፍጻሜታት ብድምጺ ወይ ስእላዊ መልክዕ ተቓሚሞም ናብ ሕልና ዝኣትዉ፡ ተነባቢ ከብሒ ስለዘሎ'ዩ።
√ ኣብዚ ዘመንና ስለ ዕለታዊ ፍጻሜታትን ንኣእምሮ ዝውጥሩ ነገራትን ኣመልኪቶም፡ መጽናዕቲ ዝገብሩ ንፉዓት ሃየስቲ ተዝርከቡ፡ ንኲዕታ ዝሕረ እኹል ጫካ internet ኮይኑ ምጸነሖም ይመስለኒ።

ንኣብነት፥-

√ ኣብ internet፡ ኣዝዩ ዝተጨነቐ ተስፋ-ቆረጽ ዝኾነ ሰብ ትርኢሞ፡ ኣእምሮና በቲ ፍጻመ ተሰናቢዱ "እምበርዶ ኣለኻ ኢካ!" ኢሉ ምስ ኣምላኹ ክደራደር ትንዕ-ትንዕ ይብል።
√ በቲ ካልእ መስኮት ናይ facebook ድማ ኣእምሮ ንሓደ፡ ብሓጎስ ተጨዲዱ ኣብ መንግስተ ሰማይ ዘሎ ክሳብ ዝመስሎ ኮይኑ ልዕሊ መጠን ዝተሓጎሰ ሰብ ይርኢ'ሞ፡ እቲ ብቈሪጸ ተስፋ ተሓሊሉ ዝጸነሐ ኣእምሮ ኣብዘን ቁንጣሮ ካልኢታት ኣወንታውያን ስምዒታቱ ክለዋውጥ ይግደድ።

√ በቲ ካልእ ፍኒስትራ ናይ instegram ድማ ክልተ ወይ ልዕሊኡ ዝከራኸሩ ኣካላት፡ እረ እነሓንሳእ ክርክሮም ከምኡ ኢሎም ካብ ማሕጸን ኣዴኦም ኣትሒዞም ተመክሮ ዝወሰድሉ ክርክር ብዝመስል ኣብ ሕልና ከቢድ ነውጺ ክፈጥር ዝኽእል፡ ኣጀንድኡ ረሲዑ'ውን ምውንጃል ምጽርራፍ ቀመም ዝገበረ ክትዕ ክዕዘብ ይጅምር ኣእምሮ። በዚ ድማ "ኣንታ እምበርዶ'ዛ ዓለምና ዝሰማምዑ ሰባት ኣለዉዋ ኢዮም፧" ኢሉ ብምሕሳብ ፡ "ደጊም ካብ ምስ ዘይረዳዳኣካ ሰብ ምዝራብ በይናዊ ሕይወት ክመርሕ ይሕሸኒ!" ናብ ዝብል ውሳነ ብምሕሳብ ንሰባት ክጽይን ይደናደን።

√ በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ ምንዝርናዊ ወይ ንምዝርና ዘለዓዕል ትርኢት ይምልከት'ሞ ኣዝዩ ይስምብድ። "ትማሊ-ትማሊ እሙናት ምርዑዋት ሰብ ቃል ኪዳን ክፋትሑ ርእየስ፡ በዚ ኸኣ ካልኦት እንዳዘመዉ ይርኢ ኣለኹ!" ብምባል ንኣብ ዓለም ዝነብር ሰብ ኩሉ በዓለገን ብናይ ምንዝርና ሰንሰለት ዝተቐፈደን ገይሩ ክሳብ ዝሓስብ ይኸውን።

መልእዎ.... ካልእ ብዙሕ-ብዙሕ...

√ እቶም ንኣእምሮ ዝውጥሩ ፍጻሜታት ቀጻልነት ክሳብ ዝሃለዎም፡ ሕልና ቅሳነት ክሕረሞ ግድን'ዩ።
√ ሕልና ተዘይቀሲኑ ድማ፡ ጽባሕ-ጽባሕ ዝላብዑ ሕማማት ኣእምሮ ክፈርዩ ባሕርያዊ'ዩ።
√ እቲ መፍትሒ፡ ንinternet ምዕጻው ኣይኮነን፡ ንሱስ ዋላ እንተተሓሰ'ውን ዝከኣል ኣይመስለንን። ምኽንያቱ ክስረት እንከሎ'ዉን ብናትና ህየሳ ኣይኮነን ተቀሪጹ። ማለት እቶም ንintermet ዝሰረትዎ ኣካላት፡ ዕጋበታት ኣእምሮና ጥራይ ኣተኲሮ ገይሮም ዝመሃዝዎ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ ብመንገዲ'ቲ ድሌታትና ገይሮም ዝረኽብዎ ናይ ገዛእ ርእሶም ረብሓታት ኣተኲሮ ዝገበረ'ዩ።

√ "ኣእምሮናኸ ካብዚ ንሳቶም ዝሃየስዎ internet ክረብሕዶ ወይስ ክጒዳእ'ዩ ዝኽእል፧" ዝብል ኣዛራራቢ ሕቶ ክለዓል ግን ጽቡቕ ይመስለኒ።
√ ኣነ "እወ! Internet ንኣእምሮ ክጽይቕ ዝኽልእ ሕምቕ ቀለም'ዩ፡ እንተተኻኢልዎ'ውን ንኣእምሮ ምስ ሕልና ሓዋዊሱ ጨሪሱ ከዐኑ ዝኽእል ረቂቕ ኣቶሚካዊ ቦምብ'ዩ!" ዝብል ርእይቶ ኣለኒ። ግን ብግልባጡ ድማ internet፡ ልዕሊ መጠን ንኣእምሮ ክሃንጽ ዝኽእል ናይ ግሊ መምህርን ቤት ትምህርትን ምኻኑ'ውን ዘንጊዐዮ ኣይኮንኩን።

√ ስለዚ ኣእምሮ ዝምገበሉ፡ ሕልና ኸኣ ኣስተርሕዩ ዝቐስነሉ መገድታት ምፍታሽ ግን ጽቡቕ ኣመራጺታት'ዩ።

ሎቱ-ስብሐት!

tirsdag 23. november 2021

ህውኽ-ዝብኢ

 

በስመ ሥላሴ

ህዉኽ ዝብእስ፡ ቀርኒ ብዕራይ ይነክስ" ትብል ኣደይ። ነዘን ቃላት'ዚኣተን ክግደሰለንን ከስተብህለለንን ዝጀመርኩ መዓስ'ዩ፧ መልሲ፣- ኣብቲ ብእግረይ ደልዲለ ኣብዛ ዓለም ምርጋጽ ዝፈለምክሉ እዋን፡ ንዓርከ-መዘና ከኣ ከም ተወሳኺ ናይቲ ኣብ ቤት-ኣቦይ ዝነበረ ስድራ-ቤታዊ ሕውነት፡ ክግደሰሉ ኣብ ዝጀመርክሉ ዕድመ ንእስነት'ዩ። እቲ ዕድመ'ቲ፡ ብዙሕ ዝተጠናነጉ ማሕለኻታት ሕይወት ከተሳስየሉ ዘይትኽእል፡ ቦዱ ኣእምሮ ዝውንን ክልል ዕድመ'ዩ። ስለዝኾነ ከኣ'ያ ወላዲተይ፡ ታህዋኽ ቀታሊ ዓወት ምዃኑ ንምስትምሃር፡ ትጥቀምውላ ዝነበረት ነዛ ምስላ ትግርኛ። 


"ህውኽ ዝብእስ ቀርኒ ብዕራይ ይነክስ" ጨለን ወሓለን ምስላ'ዩ። ሰብ ካብ ማሕጸን ኣዲኡ ብሰላም ተወሊዱ፡ ናብዛ ዓለም ምስ መጸ፡ ቀዳምነት ዝረኽቦምን ምስ ካልኦት ሕብረተ-ሰባት ብዝተረጋገአ መንፈስ ክነብር ከምዝእእል ዘስተምህርዎን ወለዱ፡ ብዝያዳ ድማ ኣዲኡ'ያ። እምበኣር ወለዲ፡ ዉላዶም ብሰንኪ ታህዋኽ ኣብ ሕማቕ ከይወድቕ፡ ክቱር ጻዕርታት'ዮም ዝገብሩሉ። ምህዋኽ ጽቡቕ'ኳ እንተዘይኮነ፡ ንዝጎድኣካ ነገር ምርባጽ ግና ጉድኣቱ ዝያዳ ይብእስ። ከም ዝፍለጥ፡ ባህርይ ዝብኢ ብሓይሊ ሃዲንካ ምምእራር'ዩ። ብሕጽር ዝበለ፣ ስነ-ሓሳብ ኣያ ዝብኢ፡ ብዕራይ ቀቲልካ ሕይወትካ ምምራሕ እዩ። እዚ ብዓይነ-ርድኢት ኣብዑር ዓመጽ ኴኑ ክረአ እንከሎ፣ ንዝብኢ ግን ጉዳይ ከብድኻ ምግባር ስለዝኾነ ግድን'ዩ ክሃድን። ተሃዊኽካ ቀርኒ ምንካስ ግና ክልተ ክሳራ ኣለዎ ንዝብኢ።


√ እተን ድልዱላትን ተረርትን ኣስናኑ ተሰባቢረን፡ ምንጋግኡ ብዘይ ሓንቲ ስኒ ባዶ ትተርፍ። ድልዱላት ኣስናኑ፣ ተሪር ጅማትን ስጋን ክንጭታ ዝኽእላ ዝነበራ፣ ሰንኪ ታሕዋኽ ቀርኒ ስለዝነኸሳ፣ ጓህማም ዝብኢ ይቕየር። እዚ ኲነት'ዚ፣ ኣስናንኑ ስለዝረገፈ፣ ናይ ምንባብር መጻኢኡ ሕቶ ምልክት`ዩ። እምበርከ፣ ክሕኽን ይኹን ክቚርጥም እንተዘይክኢሉ፣ ካልእል ክሃድነሉ ዝኽእል መሳርያ ኣይተዓደለን።

√ ከብዱ ክዕንገል ዝሓሰበ፡ ኣብ ዘይንከስ ኣብ ቀርኒ ስለዝነኸሰ፡ ንሓደጋ ይቃላዕ። ማለት ንብዕራይ፡ ብቕድሚኡን በተን ጒላ ዝዂዕተለን ተረርቲ ኣቕርንቱን ስለዝመጾ፥ ነብሰ-ምክልኻል ክገብር ምቹእ ባይታ የንጽፈሉ። ብተዘዋዋሪ ዝብኢ ንብዕራይ ምቹእ ጒላ ይኾነሉ ማለት'ዩ። ፍጥር ክብል ንሃድን ዘይተዓደለ ብዕራይ፡ ስንፍናን ታህዋኽን ዝብኢ ሃድን ከምዝለማመድ ይገብሮ።

ከብዱ ከዐንግል ዘሓሰበ ዝብኢ ከኣ፡ መዝሓል ሕርቃን ናይ ብዕራይ ኴኑ ከብዱ ይብትበት። ምላልባሽ ከምልጥ ዕድል እንተገይሩ ድማ፡ 'ብዕራይ ጎይይዎ' እናበሉ መስሓቕ መዘንኡ ኴኑ ይተርፍ። ታህዋኽሲ እምበኣር ለካ ማዕረ ክንድዚ'ዩ ዓወት ዘስእነካን ዘጽርፈካን።


 ዘለናዮ ዘመን "መን እንታይ ኢሉ" ንምስማዕ ወይ ከተስምዕ እትህንደደሉ ናይ ማስ-ሜድያ ግዜ ኢና ዘለና። ብወገነይ ነዛ "ማስ-ሜድያ" እትብል ቃል ብትግርኛ ክትርጉማ ብዙሕ ፈተነታት ገይረ እንድየ፦ ማዕረ ክንድዚ ኣእምሮ ወዲ-ሰብ ገዚኡ (ብሒቱ)  ይነብር ምህላዉ ግና ወርትግ'የ ዝግረም። ብዝኾነ፡ እንተስ ብይኸውን ወይስ ብይመስለኒ፡ ወይ ድማ ብፈሊጥ፡ "ማስ-ሜድያ፡ እትብል ጽንሰ-ሓሳብ፡ ብክልተ ድርብ ቃላት ዝቖመት ናይ እንግሊዝኛ ቃል ኴና፡ ብትግርኛ ምትሕልላፍ ሓበሬታ ማለት ይመስለኒ። ክንጥምዝዛ 'ንተተደልዩ ድማ፡  'ሕጹጽ-ወረ' ወይ ከኣ 'ስሉጥ-ወረ' ማለት ክትከውን ኣለዋ" ኢለ ይሓስብ ነይረ ሓደ እዋን። ደሓን ክቡራት ኣንበብቲ፡ ነቲ ዘለኩም ዝያዳ ፍልጠትኩም ምስዚ ኣርእስቲ ዝመሳሰል ወስ ክትብሉ ንዓኻትኩም|ን ክሓድጎ። 


ሓቂ ይሓይሽ ጥዕና ዘለዎ ወረ`ኳ ፈውሲ ኣእምሮ እንድዩ፥ ማዕረ ክንድኡ ወረ ከተባጽሕ ወይ ወረ ክትሰምዕ ህንጡይ ምዃን ግን፡ ምስቲ ህዉኽ ዝብኢ ተመሳስለካ። ናይ ሎም ሰብ ካብ ንጽቡቕ ዜና፡  ሕማቕ ወረ ክሰምዕ ወይ ከስምዕ ዝህወኽ ይዝሕ ኣሎ። ወለድና፡ ንሕማቕ ክንህወኸሉ እንከለና ዘይኮኑስ፡ ንጽቡቕ ነገር ክንህወኽ እንከለና እዮም፡ ነዛ ምስላ ዝደጋግሙልና ነይሮም። እቲ ምኽንያት'ውን ርዱእ'ዩ፡ ብሰንኪ ታህዋኽ ምስትውዓል ኣእምሮና ስለዝዛባዕ፡ ነቲ ዝሓሰብናዮ ጽቡቕ ነገር መታን ከይንኸስሮ ብማለት'ዮም።  ናይ ሕጂ ሰብ ግን፡ ክልተ ነገራቱ'ዩ ዘገርም። 


√ ብኣእምሮ ሰብ ኣብ ዝተሰርሐ ማስሜዳ፡ ግዙእ ኴኑ ይነብር ምህላዉ!

√ ኣክንዲ ጽቡቕ ፍልጠት ንምኽዕባት ዝህወኽ፡ መን እንታይ ኢሉ ወረ ንምእካብ ይህንደድ ምህላዉ!

ወለድና ኲልንትናና ንማስሜዳ ተወፍዩ ምህላዉ ተዝርእዩዎስ እንታይ ኮን ምበሉ፧ 'ጽቡቕ ክትረክብ ምህንዳድሲ ድሓን ነይሩ፡ ድሓን ንዘየምጽእ ወረ ክትምእርር ግዜኻ ምብኻን ግና፡  'ታይ'ዩ ጣቊኡን ቊንቊኝኡን፧' ኢሎም ምተገረሙ ይመስለኒ። ኤእ እንቋዕባ ኣይርእዩና፡ እንታይ ኢሎምከ ክምስሉ! 


መን እንታይ ኢሉ ዘይኮነ ግና፡  መን እንታይ ይጠቕመኒ ተንኸውን ጽቡቕ ምበዝሐ። እወ፡- መን እንታይ ይብል ኣሎ፡ ዘይኮነስ መን እንታይ ተራ ኣለዎ ኣብ ሕይወተይ፡ መን መዓስ እንታይ ኢሉ ዘይኮነ ከኣ፡ መን መዓስ ይሃንጸኒ፡ መን ዘፍርስ ተዛሪቡ ዘይኮነ፡ መን እንታይ ዝሃንጽ ተዛሪቡ ኢልና ዝያዳ ተንግደስ፥ ኣብዛ ዓለምና ዝሃንጽን ዘሀብትምን ሓሳባት ምበዘሐ። እዚ ናይ ሕጂ ዝፈረሰ ኣእምሮና ድማ፡ 'ብቅልጡፍ ተጸጊኑ፡  ጽባሕ ተስፋ ዘለዎ ትውልዲ ከፍሪ'ዩ' ኢልካ ብዘይስክፍታ ምንባር ምተጀመረ። ሎምኮ ሰብ፡ ኣይኮነን ንናይ ጽባሕ ሰብ ሓድጊ ክገብርን ክምህዝን፡ መሃዚ ኣእምሮና ብማስሜድያ ተመንዚዑ፡ ሰብ ንርእሱ ክኾነሉ ኣብዘይክእል ደረጃ'ዩ ተበጺሑ ዘሎ።


 ኣንክንዲ ቴክኖሎጅን ማስሜድያን ብምብዝሑ፡ ሃብታም ፍቕሪ ክህሉ ዝግብኦ፡ ኣብ ዲቕ ዝበለ ስሙር ጽልኢ ከም ንሽመም ኴንና ኣሎና። ይዋእ! ኣባ ጓይላ ዘይብሉ ዘመነ ስሙር ጽልኢ! እቲ ቀደም-ቀደምሲ፡ ኲሉ ጽሒፉን ኣንቢቡን ዝኽእል ስለዘይነበረ፡ ኣብ ርሑቕ ንዘሎ ሰብካ፡ ብሓደ ክኢላ ገይርካ ደብዳበ ተጽሕፍሞ፡ ሰታሪት ዓዲግካ ብምዕሻግ ብሰብ ትሰደሉ። እታ ሰታሪት ድሕሪ ነዊሕ መዓልታት ኣብ ቦታኣ ምስ በጽሐት ድማ፡ ንሱ እቲ ተቐባሊ ምንባብ ብዝኽእል ገይሩ የንብባ። ሽዑ እቲ ዝነበረ ፍቕርን ናፍቖትን እናሻዕ ፉሕ-ፉሕ ይብል ነይሩ። ሎም ግን ኣክንዲ ኲሉ ወዲ-ኣዳም መራኸቢታት ዝቐለለሉን ኲሉ ከንብብን ክጽሕፍን ዝኸኣለ፡ ኲሉ ንጽልኢ ህውኽ ኴኑ'ሎ።

ቴክኖሎጂ ከምቲ ሰብ ዘምጽኦ፡ ኲሉ ሰብ ንጽቡቕ ክጥቀመሉ ዝግብኦ፡ ብዙሕ ሰብ ንመጻልእን መማሰውን ክጥቀመሉ እንክትርኢ፥ ሕሉፍ ዘመነ ህውኽ ዝብኢ ዝበጻሕና ይመስለኒ።  ካን በቃ፣ ሰብ ዳርጋ ጽቡቕ ክረክብ ኢሉ ኣይኮነን ኣብ ማስሜድያ ተሰጢሑ ዝውዕል ዘሎ ክትብል ትደፍር። 

እግዚአብሔር አምላኽ፡ ንማስሜድያ እንቋጻጸረሉ ዘመን የምጻልና።

ሎቱ-ስብሐት!

fredag 12. november 2021

ሥላሴ ትትረመም ወትትነከር (ጥዕምቲ መዝሙር)

 


ሥላሴ ትትረመም ወትትነከር(4)

ይግባእ ምስጋና ይግባእ ውዳሴ
ኲሉ ዝፈጠረ ንቅድስት ሥላሴ
ዘመናት ብጥንቲ ቅድም ዝነበረ
ንፍጥረት ብምልኡ ንኽብሩ ፈጠረ

ክብል ሃሌሉያ ኪሩቤል ክመስል
በእግረ ምስጋና ንያሬድ ክኽተል
ከቕርብ ምስጋና ምስለ ሱራፌል
ውዳሴ ምስጋና እዩ ንልዑል

ብስም ሠለስተ'ዮም ከምኡ'ውን በአካል
ብግብሪ ሠለስተ ብዘይምምቕቓል
ንፍጥረት ብምፍጣር ብአምላኽነት
ብባኅርኦም ድማ ከምኡ ብመንግሥት
ሐደ አምላኽ'ምበር ኣይኮነን ሠለስተ

ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ዝፋኑ ዘርጊሑ
ክብሩን ጎይትነቱን ኣብ ኲሉ ሰፊሑ
ይነብር ዘለዓለም ብመንግስቱ ጸኒዑ(2)

ይመስክር ዮርዳኖስ ይዛረብ ታቦር
ናይ አምላኽ ጎይትነት ናይ ሥላሴ ክብር
እነሆ ኣብዮርዳኖስ  ወልድ ተረኽበ
መንፈስ ቅዱስ ተራእየ አብ'ውን ቃሉ ሃበ

ካብ ኣምሓርኛ ዝተተርጎመት መዝሙር

tirsdag 9. november 2021

በእንተ-ትዕቢት



በስመ ስላሴ

√ ካብ ውሽጥኻ፡ መናድቕ ትዕቢት ክፈርስ ትደልዮ እንተኾይንካ፡
ብመጀመርያ፡-

√ ንስኻ ሓደ ካብ ሰባት'ምበር ልዕሊ ኩሉ ሰብ ዘይምኻ ተረዳእ!
√ ኣካል ናይ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ኢኻ'ምበር፡ ልዕሊ ኩሉ ዘይምኻንካ ክትኣምን ኣለካ።
√ ኣካል ናይ ሓደ ሕዝቢ እምበር ልዕሊ ኩሉ ሕዝቢ ከምዘይምኻንካ ክስቆረካ ኣሎዎ!
√ ከም ኩሉ ክርስትያን ሓደ ዓይነት ሰማያዊ ርስቲ እትወርስ'ምበር፡ ንመንግስተ ሰማያት ልዕሊ ኩሉ ከምትጽሓካ ገይርካ ኣይትሕሰብ!
√ ንስኻ ኣካል ናይ ሓንቲ ማሕበረ ክርስትያን ኢኻ'ምበር፡ ንነብስኻ "ዓይኒ ማሕበር ኢየ! እንዳበልካ ኣይተታልላ።

√ ካልኦት ብመንፈሳዊ ይኹን ስጋዊ ብቕዓት ኣዝዮም ዝበልጹኻ ክህልዉ ከምዝኽእሉ እመን!

ስለዚ፡-
√ ስለቤተክርስትያን ክትብል "ሓልዮተይ ዘይተፈልጠለይ!" ኢልካ ኣይከተዕገርግርን ኢኻ፡ ምኽንያቱ ነቲ ከማኻ ዘገልግል ዘሎ ብጻይካ'ውን ከምቲ ናትካ ሓልዮት ናይ ቤተክርስትያን ክስምዖ ከምዝኽእል ስለእትፈልጥ'ዩ።
√ "ቅድመ ኩነት ናተይ ሓሳብ ይተግበር!" ዝብል ሰይጣናዊ ድርቅና ኣይክሕዘካን'ዩ፡ እምበርከስ ካብዚ ናትካ ዝበልጹ ካልኦት ዓበይቲ መንፈሳውያን ሓሳባት ክውሕዙ ከምዝኽእሉ ስለእትርዳእ'ዩ!
√ ብደገ ዝመጸካ ነቐፌታን ተቓውሞን፡ "ከም ፍቓድካ ይኹን ኣምላኸይ!" ኢልካ ንምቕባሉ ኣይክጽግመካን'ዩ፡ ምኽንያቱ ልሳንካ ንባዕላ፡ኣብ ምጽራፍን ምድፋርን ዘሕለፈቶ ግዝያት ቀሊል ከምዘይኮነ ስለትርዳእ!

√ ማለት ሓንቲ እትነቅፍ ልሳን ዘላቶ ሰብ፡ ልሳኑ ኣብ ነቐፌታ ዝቕበል ኣቕምሮ ዝተተኽለት ልሳን ክትከውን ስለዘለዋ'ዩ።

√ ጌጋታት ንምርኣይ ዝህወኻ ኣዕይቲ ዘለወኦ ሰብ ድማ፡ ንሳተን እተን የዕይንቱ ኣብ ንጌግኡ ክቕበል ዝህወኽ ኣእምሮ ክትከላ ስለዘለወን'ዩ።

√ እቲ ጌጋታት ንምእራም ዝወጣወጣ ኣጻብዕቲ ዘለወኦ ሰብከ፡ ኩለን ኣጻብዑኡ፡ ብክጋገ ዝኽእል ኣእምሮ ይእዘዛ ምህላወን ፍሉጥ ስለዝኾነ'ዩ።

ሓንቲ ምሳሌ፦

√ ንምሳሌ፡ በታ ንምፍርራሕን ጌጋ ንምእራምን ኢልና ንምውጥዋጥ እንጥቀመላ መመልከቲቶና፡ በይና ፈሊና ናብቲ "ጌገኛ'ዩ!" ዝበልናዮ ሰብ ገጽና ብምምልካት ምስ ኣዋጣወጣናያ፡ እተን ዝተረፋ ዝበዝሓ ኣጻብዕትና ግና ናብ ገዛእ ርእስና ኢየን እንዳመልከታ ዘወጣውጣልና። እምበኣረከስ ተፈጥሮ ኣጻብዕና፡ ንናይ ሰባት ጌጋ ንምፍላጥን ንምግናሕን እካ ንጥቀመለን እንተኾንና፡ ብሚእታዊት ክረአ ተኾይኑ ግን፡ 25% ሓንቲ ጻብዕቲ ጥራይ ንናይ ካልኦት ሰባት ጉድለት ንምግናሕ ክትጠቕማና እንከላ፡ እቲ ዝበዝሐ ቁጽረን ግን 75% ናትና ጉድለት ከርእያና ክብላ ኢየን በቲ ዝበዝሐ ቁጽረን ገይረን ናብ ገዛእ ርእስና ዘአንፍታ።

√ ስለዚ ድርቅናናን ትዕቢትን ወጢርና እካ ጉድለት ካልኦት ክንርኢ ህዉኻት እንተኾንና፡ እግዚኣብሔር ግን በዘን ናይ ኣጻብዕትና ተፈጥሮ ገይሩ ቀዳምነት ናትና ክንርኢ ከምዘለና እንዳመሃረና ይነብር።

እግዚኣብሔር ኣምላኽ ትዕቢተ ሰይጣን የርሕቐልና፡ ትሕትና ቅዱሳን ድማ ይዓድለና!

ሎቱ-ስብሐት!

torsdag 21. oktober 2021

ኦ... ድንግል....! ኦ እመ አምላክ!

 


 

           በስመ ሥላሴ

     ኦ ድንግል!

ማሕዘልኪኮ ነቢዑ

ዘይሕዘል ስለዝሓዘለ

ዘይክደን ስለዘዕቀለ

መከራኺ መከራ ፈጣሪኡ

"ዬ!ዬ!ዬ!" ይብል ኣሎ ረሪኡ

ጽምእኺ'ዶ ኣይኮነን ጽምኡ

ካባኺ 'ንድዩ መጺኡ

ከመይ'ሉ ድኣ ይቕንዞ ዘይከምኣቡኡ

ነፍሱ ስግኡ ኲልትናኡ

ንስኺ ባዕልኺ 'ንዲኺ ኣዴኡ

እንታይ ኣብከየኪ ኣክንኡ

ጽምኣት ናይ'ቲ ዘርዊ

ቃንዛ ናይቲ ዘሐዊ

ዶኾን ኮይንኪ ይኸውን በሊሕ ቀስታዊ


ንብዓትኪ ናብ ምዕጉርቱ

የዕይንትኪ ናብ ስቅያቱ

እንክርእያ ደኣ 'ታይ በሉ'ቶም ሸፋቱ"

ይብል ኣሎ ማሕዘል

 ብስቕታ ይትክዝ ይሓዝን

ኣሳእን 'ናተወሰዳ

ስቕ'ሉ ክሓዝል

ኣበይ ክወሓጠሉ

ብርሃጹ ክጠልል

 ንብዓት ፈጣሪኡ ከመይ'ሉ ከዐቊር

 

"ገለ 'ንተኾንክዎ!" ክብል

'ዚ ማሕዘል

ንጽሓይ ገሪፉ

ጎሮሮ ከጥልል

ኣብ ዝባንኪ ኣንጺፉ

ወድኺ ብዕጽፉ

ንሕጻንኪ ወንዚፉ

'ቲ ዘርዊ ካብ ጽምኡ

ክርኢ ኣዕሪፉ

 እዩ ማሕዘል ሃረርትኡ፡

 

ኣየ ጥበብ ማሕዘል!


ክንዲ ኮቦርታ ክንዲ ጽላሉ

ክንዲ ዛሕሊ ክንዲ ጠሉ 

ብቕዓት ድዩ'ዝስ ንፈጣሪ ምሕዛሉ

ይነብዕ ኣሎ ማሕዘልኪ

"ቤዛ ኲሉ ክንድዝኾንኪ

ተሳኢኖም ዝነብዓልኪ"

እናለ ይበኽየልኪ

 

"ዬ! ዬ! ዬ!"

ይብል ድማ ኣነ

ለውሃትኪ ኣሚነ

'ታይ ይሰኣነኪ

ጾሎትኪ ማሕዘለይ'ተኾነ

ልበይ ደኣ ኣሻቡ ይዳነ

እምበር ብቐደሙስ ኣነ

 ኣበይ'ከ ኢለዮ

ነቢዒካ ምሕጎስ መዓስ ፈቲነዮ

ሕጻን'ዩ ምግባረይ ብሓጢኣት ዝሸምገለ

ብንግሁኡ'የ ካብ'ንዳ ኣቦይ ኮብሊለ

ኣብ ስደት ክበልስ

'ኔኹ ሎም ጽባሕ'ለ


"ልብኺ ግና ንልበይ ሰሚዑ

ኣሻቡ ናብ ላዕሊ ጠሪዑ

ሕሹኽታይ ተሰሚዑ

ጸሎትኪ ኣድሚዑ

ለውሃትኪ ዘይቅርዑ

ክጥንጥነንሞ ሓሰማ

ኣብጺሕኒ ናብ ጥፍሑ"

'ናልኩ ክናሳሕ

ክቕረብ ናብ ምሳሕ

ትማል ሎም ጽባሕ

ትነብዒ ዝርንዛሕ

ክትሕጎስ ክትፍሳሕ'ዛ ነፍሰይ

ክምለስ ካብ ስደት ኲንኒ ዋሕሰይ

 ኦ ድንግል ማርያም ኲንኒ ዋሕሰይ!

 ሎቱ ስብሐት! 


 



ኣነ ግዳ ውሉድካ ንክናኣናዊት'ኳ ዝመሓርካ...

 በስመ ሥላሴ ኣብራም'ዩ ግብረይ ኣብ ካራን ምንባረይ ሃብታም'ዩ ሰፈረይ ብዘመናዊ ስራይ ኣብኡ'የ ዝወድቕ ይሃጥር ብስጋይ ሓሽከት ሓጣውእ ይበራረዩለይ ገንዘብ ሶዶም ክኸስብ ገንዘብካ ይስእኖ እናሻዕ ይንኖ...