mandag 6. mars 2017

እዞም ኣቦ መለሱላ፡ሓቕኺ ኣሎኺ ንስኺ ኢኺ ክትሰግድለይ ዝግባእ፡ግን ካባይ ንስኺ ትብርትዒ፡፡

በስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ
ሓደ ግዜ ሓደ ቅዱስ ኣቦ ብዙሓን ቆልዑ ድቁና ይምህር ነበረ።እቶም ተማሃሮ፡ንዝተዋህቦም መንፈሳዊ ትምህርቲ ብዝግባእ የጽንዕዎ ስለ ዝነበሩ፡እዞም ኣቦ ንዝቕጽል ሓገዝ ክኮኖም ንምባል ካልእ ብዙሕ መንፈሳዊ ትምህርትን ተግሳጽን የስንቖም ነበረ።እቲ ዘገርም ግን እዚኹሉ ምሂሩ ከብቅዕ ኣብቲ ናይ ድቁና ዝሽየምሉ ዕድመ ምስ በጽሑ፡ብዙሙት ተሳዒሮም ይወድቁ ነበሩ።እዞም ኣቦ ብዙሓት ምሂሮም ኣብ ፍረ ዝበጽሑ ግን ክልተ ሰለስተ ጥራይ ነበሩ፡፡ኩሎም እቶም ብዝሙት ዝተሰነፉ ድማ ዋላ ንቤተክርስትያን ምምጻእ ኣቃረጽዎ።

ድሕሪ ነዊሕ እዋን እዞም ቅዱስ ኣቦ፡ነገሩ ክምርምሩ ጀመሩ እሞ፡ለካ ኣብቲ ከተማ ሓንቲ ኣመንዝራ ተውድቖም ከምዝነበረት በጽሕዎ።ናይዛ ኣመንዝራ ጥበብ ዘገርም ኢዩ።ዳስ ተኺላ"እዚ እንዳኣመንዝራ ኢዩ" ዝብል ዝጸሓፈትሉ ቦታ ኣይኮነትን ፈልያ ኣስሒታቶም።ናይ ቤት ክርስትያን ሰብ መሲላ፡ቀትሪ ብፍላይ ሰምበት ቅድስቲ መሲላ፡ካብቶም ተማሃሮ ብዙሕ ክትማሃሮ ትደልዮ ነገር መሲላ ትቐርቦምሞ፡ምሸት ገዝኣ ወሲዳ ግን ተኽላ ተቐይራ ትነጥቆም።
ናይዛ ኣመንዝራ ጥበብ ተመልኪቶም፡ኣዝዮም ተገረሙ።ስለዚ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ወትሩ ትመጽእ ስለዝነበረት፡ሰምበት ድሕሪ ቅዳሴ ኢዶም ክትሳለም ኢላ ምስ ቀረበት በንጻሩ ንሶም ተምበርኺኾም ሰገዱላ። ወዮ ጋል ደንጽዩዋ ኣባ እንታይ ትገብሩ ኣሎኹም?ኣነ እምበር ንስኹምዶ ክትሰግዶለይ ይግባእ?በለቶም።
እዞም ኣቦ መለሱላ፡ሓቕኺ ኣሎኺ ንስኺ ኢኺ ክትሰግድለይ ዝግባእ፡ግን ካባይ ንስኺ ትብርትዒ፡፡ኢሎም ብብኽያት ክሳብ ውሽጦም ዝስምዖም በኸዩ።ብከንደይ መንፈሳዊ ተጋድሎ ዝመሃርኩዎም መንእሰያት፡ንስኺ ግን ብዘይ ምንም ትምህርቲ ከምዚ ገይርኪ ናትኪ ስለዝገበርክዮም ከመይ ዘይሰግደልኪ፡ኣነ ንነዊሕ እዋን ብመንፈሳዊ ተግሳጽ ኮስኪሰ ናተይ ክገብሮም ዘይከኣልኩ መንእሰያት፡ንስኺ ግን በዚ ጥበብኪ ገይርኪ ናትኪ ገይርኪ ኣብ ባይታ ወዲቖም ከምዝምብርከኩልኪ ስለዝገበርክዮም ከመይ ዝበለ ጅግንነት ኣሎኪ።ስለዚ ስግዳን ኣኽብሮት ኣድንቆሲ ንዓኺ ኢዩ ዝግባእ፡
ምስ በልዋ፡ወዮ ጋል ኣብራኻ ጠሊምዋ ኣብ ብርኮም ወደቐት።ኣቦየ ኣነ እየ ሓጥያተኛ፡ጅግና ዘይኮንኩስ ምንም ነገር ዘይብለይ ባዶ ኢየ ኢላ። ንኽንኽ ኢላ በኸየት።ብናይዞም ኣቦ ትምህርቲ ንስሓ ኣተወት።ልባ ክሳብ ክንደይ ካብ እግዚኣብሄር ሸፊታ ምህላዋውን ፈጺሙ ተረድኣሞ፡ነዞም፡ኣቦ ንእግዚኣብሄር ክሳብ ክንደይ ከምዝበደለቶ ተመልኪታ ክጽልዩላ ካብ ብኽያት ከየቃረጸት ለመነቶም።
ኣብዚ ዘለናዮ ዘመንውን ብዙሓት ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮ፡ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ቅድስናዊ ጉዕዞ ክርስትና፡ጀጋኑ ናይ ምንዝርና ኮይንና ዘውደቕናዮም፡ወይ ዘውደቕናየን ክንደይ ይኾና።ዋላ ብኣካልካ እንተዘየውደቕናየን/እዘየውደቕናዮም ብምንዮትናን፡ብውሽጣዊ ፍንፉን ጸሎትናን ከነውድቖም ኢልና ዝሓሰብና ክንደይ ይኹኑ።እግዚኣብሄር ኣምላኽ በዚ ጾምዚ፡ሰንከልከል ንዝበለ ሕልና ቀጥ ንክብል፡ንዝወደቐት ነፍሲ ከተንስእ፡መጻወድያ ንምኻን ዝተግሁ መናፍስቲ ድማ ዝኣስርን ዝግስጽን ክገብረልና ሰናይ ፍቃዱ ይኹን።
ስብሀት ለእግዚኣብሄር ኪያነ ከመ ናምልኮ፡ስብሀት ለ ቅድስት ድንግል በክልኤማርያም ከመ ይእቲ ወላዲተ ኣምላክ፡ወስብሀት ለቅዱስ መስቀሉ ከመ ውእቱ ሓይለ ትእምርትነ።ኣሜን

lørdag 4. mars 2017

ንሓንቲ ብምድራዊት ሃገር ጥራይ እትምካሕ ሓፍትና ዝተዋህበ ምዕዶ ሓዘል ተግሳጽ።

በስምኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።
"እግዚኣብሔር ዝፈጠረኪ ሓፍተይ፡መንነትኪ ትፈልጥዮዶ ትኾኒ፧!!
ሰብ መንነቱ ስለዝርስዕ ኣብ ዝተፈላለየ ስጋዊ ነገርን ምድራዊ ሓሳባትን ተዋሒጡ ይነብር።መንነትኪ ከምቲ ጽሕፍክዮ ዘለኺ ጓል'ዛ ምድሪ ኣይኮንክን፡ጓል ኣቦኽን ኣዴኽን ውን ኣይኮንክን።ክጸርፍ ስለዝደለኩ ኣይኮንኩን፡ጸርፊ ሃይማኖተይ ተዋህዶ ስለዘይፈቅድ ኣይጻረፍን ኢየ፡እዛ ዘለኽያ ዓዲ ዓቢኽላ እምበር ንዘልኣለም ኣይትነርላን ኢኺ። ዓድኺ፡ሞይትኪ ክትቅበርላ ኢኺ'በር ንዘልኣለም መምበሪኺ ኣይኮነትን።

ሓደ ግዜ ብመንገዲ እንዳኸድኩ ምዉት ሰብ ሒዞም ዝኸዱ ሰባት ተዓዘብኩ፡፡ ኣርባዕተ ደልዳላታት ኣጓብዝ ንሬሳ ብኽብሪ ተሰኪሞሞ ንኣብ መቓብር የምርሑ። እቲ ሬሳ ኣብ ኣዝዩ ዝተወቀበ ሳጹን ኣትዩ፡ ብዝተፋላለየ ክቡር ዕምባባታት ተመላኺዑ ብኣዝዮም ሓያላት ኣርባዕተ ኣጋብዝ ደልደላታት መንእሰያት ተጸይሩ ክኸይድ ርኣኽዎ።ብዙሓት ህዝቢ ድማ ሓዘኖም ክገልጹ ተኣኪቦ በብዝተፋላለየ መስርዕ ተሰሪዖም ናብ ቀብሪ ይኸዱ ነበሩ።ዉሉደ ክህነት ድማ በቲ ቃና ዝውለዎ ጥዑም ዜማኦም እናዘየሙ ቀቅድሚኡ ይከዱ ነበሩ።መቸም እዚ ሬሳ ኣዚዩ ከቢሩ ኢዩ፡ክብረቱ ግን ኣይፈልጥ ነበረ፡፡ ሰባት ኩሎም ደንጊጸምሉ ኢዮም፡ናይዞም ሰባት ርህራሄ ግን ኣይርድኦን'ዩ ንሱ፡ ሬሳ ስለዝኾነ።

ክቕበር እንከሎውን ኣብ ኣዝዩ ዝተማላኸዐ ጉድጓድ የእትውዎ፡፡ ብሓመድ ምስ ደብደብዎ ድማ ብሰሜንቶ ገይሮም ገዛ ይሰርሕሉ፡እዚ ኲሉ ክብሪ ንሱ ኣይርድኦን ኢዩ። እዚ ጥራይ ከይኣክል፡ ዓመት ዓመት መመጺኦም ይበጽሕዎ፡በጻሕተይ ኢሉ ግን ኣይግደሰሎምን።ጥሮታ መሬት ከፊሎም መምበሪ ሂቦሞ ክንሶም ንሱ ግን ስግኡ መሽሚሻ ስለዝተረፈት ነዚ ኩሉ ክብሪ ኣይርድኦን ኢዩ። እቲ ንሱ ዘለዋ ከባቢ፡ ናይ ሬሳታት ዓባይ ከተማ ኮይና ትምስራሕ ነንሕድሕዶም ግን ኣይበጻጽሑን።ሽሞም ኣብቲ ላዕለዋይ መስቀል ተጻሒፉ ኣሎ፡ብስሞም ጸዊዕካዮም ግን ኣይሰምዑን።ነብሶም ድኣላ ንሰማያት ከይዳ ወይ ናብ ዕረፍቲ ወይ ናብ ስቅያት እምበር ንሳቶምምሲ ክሳብ ዳግማይ ምጽኣት ስሞም ኣይእንታዮምን'ዩ፡፡ ክርስቶስ ክመጽእ እንከሎ ግን በዛ ስም እዚኣ ኢዩ ክጽውዖም።ሽዑኡ ፈትዮም ኣይፈትዮም ብግዲ ክሰምዑ ኢዮም።

ንስኺውን ሓፍተይ እዛ ትነብርላ ዘለኺ ዓዲ ክሳብ መቓብር ኢያ ዓድኺ፡ካብኡ ንንዮ ዘሎ ሂዎት ኣይክትወሓሰክን ኢያ።ናይዚ ሬሳ ክብሪ ምስተመልከትኩ፡ "ነብሱስ ከመይ ትህሉ፧" ኢለ ሓሰብኩ። "ረቂቓን መላእኽቲዶ ተሰኪሞም ናብ ዕረፍቲ ቦታ ወሲዲማ ይኾኑ ወይሲ፡ናብ ስቅያት ናብ ሲኦል፧ እዛ ነብሲዚኣስ ነዚ ቀብሪ ሪኣ እንታይ ትብል ትህሉ፧እቲ ሕሉፍ ታሪኻ መቸም ሰብ ስለዘይፈልጠላ ንስጋኣ ኣኽቢርዎ ኢዩ፡ንሳ ግን ከቢራዶ ወይስ ተዋሪዳ፡ዓሊላዶ ወይሲ ኣልቂሳ፡ተጸናኒዓዶ፡ወይሲ እንደገና ሓዚና" ኢለ ምስ ሕልናይ ተማጎድኩ። መደምደምታ ዝበጻሕክሉ እንተነይሩ እንታይ ከምዘጋጠማ ኣይፈልጥን ኢየ፡ "ብርግጽ ግን ዳግማይ ሓዘን ወይ ዳግማይ ደበስ፡ዳግማይ ዕረፍቲ ወይ ዳግማይ ስቅያት ክትረክብ ምኻና ርጉጽ ኢዩ" ኢለ ደምደምኩ።እዚ ድማ ብቃል እግዚኣብሔር ኣረጋገጽክዎ።

እግዚኣብሄር ዘፍቅረኪ ሓፍተይ እዛ ሕጂ ትምክሕላ ዘለኺ ምድራዊት መንነት ጽባሕ ንግሆ ኣይክትዋሓሰክን ኢያ።ኣቦኽን ኣዴኽን ወሊዶምኪ ምበር ኣይፈጠሩኽን፡የዕብዮምኺ እምበር ንዘልኣለም ዋሕስኪ ክኾኑ ኣይክእሉን።ኣብ ሞትኪውን ከልቅሱልኪ ይኽእሉ እምበር፡ኣብ ሰማያት ከይዶም ብዛዕባ ነፍስኺ ኣይክከራኸሩን፡ኩሉ ክፍረድ ኢዩ፡ፍርዱ ሲኦል ወይ ድማ ዕረፍቲ ኢዩ።ክሳብ ፍርዲ ድማ ግዝያዊ ስቅያት ወይ ግዝያዊ ዕረፍቲ ኣሎ።እቶም ግዝያዊ ስቅያት ዝተዋህቦም ካብኡ ኣዝዩ ዝዓበየ ስቅያት ይጽበዩ ኣሎዉ፡እቶም ኣብ ዕረፍቲ ዘለዉ ድማ ካብኡ ኣዝዩ ዝዓበየ ዕረፍቲ ይጽበዩ ኣለዉ።ነገሩ ግብሮም ኩሉ ግልጺ ኮይኑ ስለዝመጾም ብዝተዋህቦም ፍርዲ ኣይከግረምርሙን ኢዮም።

 

ሓፍተይ ኣብ ግዜ ፍርዲ እንታይ መርትዖ ሕዝኪ ኣሎኺ፧ ምእካብ መርትዖ ሕጂ ኢዩ፡ መርትዖና ንስሓ ኢዩ።ኣነን ንስኽን ኩሉ ወድሰብ መርትዖ ምስ ፈጣሪ ሒጂ ኢዩ ክእክብ ዘሎዎ።ንሱ ከኣ ንስሓ ኢዩ።ንስሓ ጣዕሳ ማለት ኢዩ።ዝበደለ ኢዩ ከኣ ዝናሳሕ፡ መቸን "ኣነ ፍጹምቭበደል ኣይፈጸምኩን ንጹህ ኢየ" ክንብል ኣይከኣልን።ምሳና ዘሎ ሓጥያት ኩሉ እግዚኣብሔር ይፈልጦ ኢዩ። ስለዚ ቅድም ኣብነፍሲ ካህን ሕዚሞ፡  ኪዲ ኩለን ሓጥያትኪ ተናዘዚ፡፡ እግዚኣብሔር ድማ ትፈልጥዮን ዘይትፈልዮን ሓጥያትኪ ኩሉ ጸሪጉ ክሓድገልኪ ኢዩ።መሓሪ ስለዝኾነ ዋላ እቲ ዝኸፈአ ሓጥያት ንፈጽም ክምሕረና ኢዩ።ሕጂ እንተዘይ ተመሊስና ግን ጽባሕ ንግሆ ድሕሪ ሞት ንስሓ የለን።ናይ ሽዑ ብኽያት ዋጋ የብሉን፡ናይ ሽዑኡ ንብዓት ሓባሲ የብሉን። ናይ ሽዑ ምሕርቃም ኣስናን ደንጋጺ የብሉን።
እዞም ሕጂ ኣብ facebook niec pic እንዳበሉ ዝንኡድኺ ዘሎዉ ንባዕሎም ጽባሕ ንግሆ ንነብሶም ክፍረዱ እንከለዉ ናይ ማንም ጠበቓ ክኾኑ ኣይክእሉን ኢዮም።እዞም ሕጂ ኣብ facebook ዝጻረፉኺ ዘለዎውን ጽባሕ ንግሆ ኣብ ሲኦል ከይዶም ኣይክጸርፉኽን ኣይክንእዱኽን ኢዮም።ፍርዱ ዝተዋህበ ሰብ ጽባሕ ንግሆ ብዛዕባ ዝተዋህቦ ፍርዲ ጥራይ ኢዩ ክሓስብ።ኣብ ዕረፍቲ እንተኣትዮም ስሌኺ ጸልዮም ለሚኖም ከውጽኡኺ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ ኢዩ፡፡ ምኽንያቱ ሕጂ እንዳጸረፉ ጽባሕ ኣብ መንግስተሰማያት ክኣትዉ ዘሎ ተኽእሎ ከቡድ ኢዩ። ጸረፍቲ ሰባት ንመንግስተ ሰማያት ኣይኣትዉዋን ኢዮም።ንስኺ ንባዕልኺ ምላልባሽ ብቃልኪ ዘይትጸርፊ ትኺኒ፡፡ ብልብኺ እንተጸረፍኪ ግን እግዚኣብሔር ልብኺ ይምርምራ ኢዩሞ፡ሲኦላዊ ዋጋ ከይትወሃቢ ንስሓ እተዊ።
ደቂ ዓድኺ መተዓቢትኺ ሕጂ የንጨብጭቡልኪ ይህልዉ ኢዮም፡፡ ጽባሕ ኣብ ቀብርኺ ድማ ከልቅሱልኪ ይኾኑ፡ኣብ ሰማያት ግን ኣብ ቅድሚ መድሓኔ ኣለም ቆይሞም ክዋሕሱኺ ኣይክእሉን ኢዮም።ስለዚ ብዛዕባ ነፍስኺ ምሕሳብ ጽባሕ ኣይኮነን፡ብዛዕባ ሰማያዊት መንነትኪ ምሕሳብ ድሕሪ መቃብር ኣይኮነን ሕጂ ኢያ። መዓልቲ ምድሓን ሕጂ ኢያ።መዓልቲ ንስሓ ሕጂ ኢያ።መዓልቲ ጣዕሳ ሒጂ ኢያ።ምድራዊ መንነት ዋሕስና ኣይኮነን፡ንሕና ደቂ ሰባት መንነትና ኣብዛ ምድሪ ኣይኮነን ኣብ ሰማያት ኢዩ።ናይ ብሓቂ ወለድና ስድራና ኣይኮኑን እቲ ዝፈጠረና እግዚኣብሄር ኢዩ ኣማናዊ ወላዲና።ንሕና ውሉደ እግዚኣብሄር ኢና።ንስኺ ጓል እግዚኣብሔር ኢኺ ተናስሒ እምበር በዛ ምድራዊ መንነትኪ ምንም እንተተመካሕኪ ኣይጠቅምን ኢዩ። 
ወደሓንኪ!!
ግዚኣብሔር ብምሕረቱ እመ ኣምላክ ብቃል ኪዳና ትደግፍኪ ትደግፈና ሓፍተይ።
ዚ ኩሉ ዝበልክዎ ከም ጌጋ እንተተረድእክዮ፡ከግህየኪ ግቡእ ሰለዘኮትነ ብልቢ ይቕረ ግበርለይ።
ወስብሀት ለእግዚኣብሄር።

ቤተ ክርስትያን ትሕድስ እምበር ኣይትሕደስን፣፣

በስመ ስላሴ፡ይቀጥቀጥ ከይሴ
ቤተ ክርስትያን ያኢ ዘመናዊት ጎርዞ ተረኺባስ ብፋሽናዊ ስነሓሳብ ክትሕደስ፡ያኢ ግራት ቃድራ ኮይናስ ከረምቲ መጸ ክትሕረስ
ጉባኤ ፓርላማ ኮይናስ ኣብ 4ይ ዓመት ወትሩ ንጉሳዊ ምሕደራኣ ክቕየር፧
ናይ ዘመንና ጎርዞ ምስ ዘመን መጸ ክትከይድ ክትብል ዕድሜኣ ብኾንቱ ስለዝኸይድ፡ንሳ ንኣካላታ ክተጸባብቕ ዕድሜኣ ክኣርግ፡ንሳ ቅብኣ ወድቕባኣ ክትሸባብጥ፡ቆርበታ ይኣኽለኒ ኢሉ ዕድሜኡ ከብቅዕ ይረባረቡሞ፡ኣብ መወዳእትኡ ፋሽናዊ ስነሓሳብ ዘይወልዶ ዘይብሉ ናብ ድቕ ዝበለ ጥፍኣት መሪሕዋ ይኸይድ።ሓለፍና ክብላ ሞጎጎ ይዓጥና ከም ዝብሃል፡ሓለፍኩ ክትብል ጥራሕ ሕፍረታ ክትከይድ ትጅምርሞ ኣየሕፍራን ድማ።ቤተክርስትያን ግን ዘመናዎት ዘይኮነትስ ዘልኣለማዊት ኢያ።ናይ ቤተ ክርስትያን ስነሓሳብ ምስ ዘመን ዝቀያየር ዘይኮነስ፡ንዘመን ዝቕይር ዘልኣለማዊ መንፈሳዊ መርሖ ዝሓዘ ኢዩ።ደቃ ደቂ ቤተ ክርስትያን ውን ደድሕሪ ንፋስ ክነፍሱ ዘይኮነስ ዘልኣለማዊ መንገዲ ሒዞም ቀጥ ክብሉ ኢዩ ዝግብኦም።
ቃድራ ዓመታዊ ይሕረስ ኢዩ፡ክሕረስ እንከሎ ሓደ ዓይነት ዘርኢ ኣይትዘርኦን ኢኻ፡ምኽንያቱ ተፈጥሮ ናይ ቃድራ ሓደ ዓይነት ዘርኢ እንተዘሪእካዮ ፍረ እቶት ኣይምእክትን ኢዩ።ዋላ ሓደ ዓመት የዕርፍካ ክትዘርኣ እንከለኻ፡ኣብ ዝቕጽል ግን ካልእ ክኾውን ይምልክዕ።ቤተ ክርስትያን ግን ቃድራ ኣይኮነትን፡ኩሉ ግዜ ለምለም ኢያ።ትምህርታዊ ወንጌላ ዓመታዊ እንዳቐያየርካ ንኽሕፈስ ዝተፈላለየ ናይ ሓሳብ ማሕረሻ ምጥቃም ዘይኮነስ፡ሓንሳብ ንሓዋሩ ዝባኑ ተሓሪሱ ብደሙ ዝዓደጋ ግራት ቅዱሳን፡ፍረኣ ምሉእ ኢዩ ክምገብ ዝደለየ ይምጻእ እምበር ንቤተክርስትያ መጋቢ ክኾና ኢሉ ክሕድሳ ኣይክእልን፡፡ዓመት መጸ ዝተፈላለየ ትምህርቲ ምምሃር ግን፡ንክርስቶስ ዓመት ዓመት ንዓ ዝባንካ ዳግማይ ተሓረስ ከም ምባል ኢዩ።ኣንቱም"ናይ ዓሚ ትምህርታ ንቐይሮ፣ናይ ቅድሚ 500 ዓመታት ዝነበረ ንሓድሶ፡ሕጂ ዘለና ብዓል እገለ እገለ ዝተርጎምዎ ኢዩ ጥዑይ እምበር፡ናይ ቀደምሲ ቀደም ኢዩሞ ንቐይራ" ኢልኩም ትጭድሩ ዘለኹም፡ከይተረደኣኩም ነቲ ብየእዳውና ብየእዳው ደቂ ሰብ ሓንሳብን ንሓዋሩን ዝባኑ ብኹርማጅ ተለብሊቡ፡ደሙ ከም ዝናብ እናዘነበ፡ዝሓረሳን ዘብቆላን ግራት፡ዳግማይ ይደገም ኣይበርሃልናን ከም ማለት ምኻኑዶ ዘንጊዕክሞ፧
ቤተ ክርስትያን ናይ ዘመንና ፓርላማ ኣይኮነትን፡ኣሜሪካዊ ምምሕዳር ኣብ 4 ዓመት 4ዓመት ኢዩ ዝቀያየት፡እቲ system ውን ብመልክዑ እናተሓደሰ ይነብር።ምኽንያቱ ሰብ ብባህሪኡ ዘልኣለማዊ መርሖ ሒዙ ክቐርብ ኣይክእልን።ተኸኣለ ክሳብ 100 ዓመት ካብኡ ንንዮ ነቶም ዝቕጽሉ ወለዶ ገዲፍሎም ይኸይድ።ቤተክርስትያን ግን ዓለም ኣይኮነትን ኣብ ዓለም እትርከብ ናይ ክርስቶስ ቆንስል እምበር።ቤተ ክርስትያን ኣሜሪካ ኣይኮነትን፡ኣብ ኣሜሪካ እትርከብ ናይ እግዚኣብሄር ኤምባሲ እምበር።ቤተክርስትያን ቻይና ኣይኮነትን፡ኣብ ቻይና እትርከብ ግን ከኣ ንቻይናዊ ስነሓሳብ እትጽየን እምበር።ቤተክርስትያን ምድራዊት ንግስቲ ኣይኮነትን ፡ኣብ ምድሪ ትርከብ ክንሳ ሰማያዊ ስልጣን እትውንን ዘልኣለማዊት እምበር።በሉ ነዚኣ ክናሕድሳ ማለት፡ንዙፋን ዋናኣ ምድፋር ኢዩ።መርዓዊ ንመርዓቱ ዝደፍረሉ ኣይፈቱን ኢዩ።መርዓት ውን ንመርዓዊኣ ተውስደላ ጎርዞ ኣይትፈቱን ኢያ።ንቤተክርስትያን ምሕዳስ ማለት፡ውሻጠ መርዓት ኣቲኻ ምዝራፍ ኢዩ።ንቤተክርስትያን ምሕዳስ ማለት፡ኣብ ዙፋን መርዓዊ ተቐሚጥካ መርዓትካ ንዓይ ሃበኒ ከም ምባል ኢዩ።ዕደ ነሳእኩም መርዓቱ የሕሊፉ ዝህብ መርዓዊ ኣይኮነን።ንሳውን መርዓዊኣ እንዳሃለወ፡ጉልባባ ክትቀልዕዎ ስቕ ኢላ ኣይክትርእየኩምን ኢያ።ዝከላኸሉላ ዓርኪ ርእሲ ኣሎዉዋ፡
ወስብሀት ለእግዚኣብሄር፡ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።

torsdag 2. mars 2017

ተግሳጽ

ተግሳጽ ናይ ኣገልገልቲ እግዚኣብሄርን፡ኣገልገልቲ ኣጋንንቲን ዝፍለዩላ፡ሓቀኛ ኣመንትን ኣምስሉያውያንን ዝምመዩላ፡ደቂ እምላኽ ኣብ ወላዲኦም እንክጸንዑ፡ንፍትወተ ስጋ ዝግዝኡ ግን ካብ ኣምልኾኡ ዝርሕቑላ ናይ ሃይማኒታውያን መንፊት ኢያ።መንፊት ንየማንን ንጸጋምን ኣላኽዕ ኣላኽዕ ምስ ኣበልካዮ፡ እቲ ጠጥዑዩ በይኑ ይእክውብ፡ እቲ ጎጉርዱ ድማ በይቡ ይፍለ።
ክርስትያን ተግሳጽ ክቕበል ኣሎዎ። ሓውኹም መደንግጽ ኢየ፡ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር ብዙሕ ግዜ ክግስጹ ክሰምዕ እንከለኹ ሕልናይ ይርብሸኒ፡" ኣፍ ጻድቕሲ ትገኣጸኒ ደኣ፡ንሱ ንዓይ ከምቲ ኣብ ጭሔሎ ዝወርድ ዘይቲ ርእሲ ኢዩ፥" ተባሂሉ ከምዝተጻሕፈ ተግሳጾም ባህ ክብለኒ ነይርዎ።ግን ዓቕሚ ይውሕደኒ፡ጣዕ ጠራዕ ጠራዕራዞ ኢልካ ሃጽ በል ይመጻኒ።ኣብ መንጎኡ ግን እግዚኣብሄር ንድሕነት ደቂ ሰብ ኢሉ ዝኸፈሎ ናይ ድሕነት ዋጋ ምስዚ ናተይ ተግሳጽ ከረኣእዮ ይፍትን ሞ ክንድምንታይ ከምዝዓሸኹ ይበርሃለይ።
መግፋዕትና ክንድቲ ክርስቶስ ዝተገፍዖ ኣይበጽሕን፡ውርደትና ክንድቲ ኣምላኽና ዝተዋረዶ ኣይመዓራረን፡ናይቲ ኣብ ልዕሌና ዘውረድዎ ንዕቀት፡ምስቲ ክርስቲስ ብሄረዶስ ዝተናዕቆ ፍጹም ኣይነጻጸርን።እሞ እንታይ ደኣ ንበል? ክንድዚ ተግሳጽ፡ክንድዚ ንዕቀት፡ክንድዚ ውርደት ከጋጥመና እንከሎ ተመስገን ንበል።እዚ እግዚኣብሄር ካብ መከርኡ ተኻፈልቲ ንኽንከውን ዘዳለዎ ናይ እግዚኣብሄ ሞባእ ኢዩ።በዚ መከራ ገይሩ ክዛረበና ዝደለዮ ነገር ስለዘሎ ብውህበቱ ደስ ኢሉና ነመስግኖ።
ስለኹሉ ውህበቱ ስሙ ይመስገን፡ኣሜን።

ኣቐዲሙ ንዝፈለጥካና እግዚኣብሄር ንዘለዓለም ተመስገን ።

ኣቐዲሙ ንዝፈለጥካና እግዚኣብሄር ንዘለዓለም ተመስገን ።
ኦ እግዚኣብሄር ክጽነስ እንከለኹ ድቂ ምስ ኮንኩ፣ኣብቲ ቅድሚ ምጽናሰይ ዝነበረ ግዜ ኣብ ሕልና ኣቦይን ኣደይን ነበርካ።ሽዑኡ ምስኦም ኮይንካ ንኽምርዓዉ ኣተባብዓኻዮም።ኣነ ግን ሽዑኡ ናብዛ ማህጸን ኣደይ ክኣቱ ምኻነይ ይፈልጥ ኣይነበርኩን።
ድቂ ኮይነ ምስ ተጸንውስኩ፡እቶም ክልተ ዓይነት (ተባዕታይን ኣንስታይን) ፈሳሲ ዘርኢ ወለደይ፡ናብ ዓጽሚ ለበስ ኮይነ ንኽስራሕ ድንቂ ተኣምር እረ ካብ ኣእምሮ ንላዕሊ እካ እንተኾነ፡ኣብ ማህጸን ኣደይ ኮይንካ ዝሰራሕካኒ ግን ንስኻ ኢኻ።ነቶም ክልተ ዘርኢ ኣርጋእካዮም እሞ ዓጽሞ ለበስ ኮይነ ቀስ ብቐስ ኣነ ተሰራሕኩ።ነገር ግን ቅድሚ ኣብ ማህጸን ምእታወይ ንስኻ ክትሰርሓኒ ምኻንካ ይፈልጥ ኣይነበርኩን።
ትሸዓተ ወርሒ መሊአ ካብ ማህጸን ኣደይ ምስ ወጻኹውን፡ናብዚ ሕጂ ዘለኽዎ ደረጃ ዓቕሚ ኣዳም ክበጽሕ ምኻነይ ኣይፈልጥን ነይረ።ኣብ መንጎ ህጻንነተይን፡ኣብ መንጎ ንእስነተይን ንዝነበረ ውረድ ደይን ናይ ሓጥያት ቃልሲ ክሳብ ክንድዚ ክብድለካ ምኻነይ ኣቐዲመ ይፈልጥ ኣይነበርኩ።ንስኻ ግን ቅድሚ ምውላደይ፡እረ ኣቦይን ኣደይን ቅድሚ ምምርዓዎም፡ንዓይ ትፈልጠኒ ነይርካ።ምስተመርዓዉ፡ምስ ወለዱኒ፡ምስየዕበዩኒ፡ኣነ ናብ ጋይላን ዳንኬራን ክኸይድ ከለኹ፡ክሽፍት ኣጽዋር ሓጣውእ ዓጢቐ ኣንጻር ቅድስና ክልዓል እንከለኹ ቅዱስ እግዚኣብሄር ንስኻስ ትፈልጥ ነይርካ ኢኻ።
ከመይ ዝበለ ርህራሄ ኢዩ ርህራሄኻ፡ከመይ ዝበለ ለውሃት ኢዩ ለውሃትካ!!
ከመይ ዝበለ ርህራሄ ኢዩ ርህራሄኻ፡ከመይ ዝበለ ለውሃት ኢዩ ለውሃትካ!!
ሓንቲ መዓልቲ ነዛ ስልጣንካ ንዓይ እንተትህበኒሲ፡እሞ ድማ እዞም ኩሎም ንጽባሕ ዝብዱልኒ ሰባት ኣቐዲመ ክብድሉ ምኻኖም እንተዝፈልጥ፡ዘውርደሎም ጭካነ መለክዒ ኣይምሃለዎን።ለዋህ እግዚኣብሄር ንስኻ ግን ትማሊ ንዝነበረ መንነተይ ከይተጸየፍካ ንናይ ጽባሕ ትንሳኤይ ተመልከትካ።ምንም እካ እንተኣጉሃኹኻ፡ንስካ ግን ክሳብ መጨረስታ ተዓጊስካኒ ኢኻሞ ተመስገን።
ሕጅውን ኦ ሉዕል እግዚኣብሄር፡ጽባሕ እንታይ ከምዝኸውን ኣይፈልጥን ኢየ፡ክብድለካ ድየ ከሕጉሰካ፡ቀታሊ ነፍሲ ድየ ክኾውን ብቃልካ ሰባኺ፡ወናም ብዓል ጛይላ ድየ ክኸውን ብፍቕርኻ ዝምብርከኽ፡ኣይፈልጥን ኢየ።ንስኻ ግን ንኹሉ መንነተይ ትፈልጦ ኢኻሞ ሕጅውን ተመስገን።ንጽቡቐይ እምበር ንጥፍኣተይ ከምዘይትዓጥቕ ንስኻ ትፍለጥ ኢኻሞ ተመስገን።
ከመስግነካ እንከለኹ፡ካብ ልሳነይ ወይ ካብ ልበይ ዝመንጨወ ኣይኮነን ናትካ ገንዘብካ ኢዩ።ምስጋኻ ኣብቲ ንስኻ ዘለኻሉ ስፍራ መሊኡ ኣሎ።ኣብ ልበይ ኣሎኻ፡ኣብ ልሳነይውን ኣሎኻ፡ኣብ ነፍሲወከፍ ከይዲ ሂዎተውን ኣሎኻሞ እንተኣመስገንኩኻሲ ኣነ ዝፈጠርክዎ ምስጋና ኣይኮነን።ናትካ ናይባህሪኻ ኢዩ።እንተዘየመስጊነካ ዝጎድለካ ኢየለን፡እንተኣመስጊነካ ድማ ዝምልኣልካ የለን፡ነገር ግን ምስ ኣመስገንኩኻ ባራኺ ኣምላኽ ኢኻ፡እንተኣግረምሪመ ግን እቶም መግረምቲ ዝኾኑ ምስጋናኻ ዝቃወሙ ኣጋንንቲ ንልበይን ልሳነይ ከይከብዎ መታን ንዓኻ ከመስግን ሓይሊ ሃበኒ።
ኣሜን፡ኣሜን ኣሜን።
ንኣብን ንወልድን ንመንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ምስጋና ይኹን ፡
ንወላዲቱ ኣደ ኣምላኽ ድንግል ማርያም ምስጋና ይኹን፡
ንክቡር መስቀሉ ምስጋና ይኹን፡
ኣሜን ኣሜን ኣሜን።

ሕጽር ዝበለ መንፈሳዊ መልስታት ነቲ ጠንቂ መዐንቀፊ ዝኮነ ሓሳብ ዘይድሓን ሒዞም ወትሩ ዝሓቱና፣

ሕቶ 1. ክንጅምር፡-1ቆሮ 3፣16 ቤት መቅደስ ኢና እንዳበለስ ህንጻ ንምንታይ አድለየ?
ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብሕጽር ዝበለ ቤት መቕደስ ኣምላኽ ኢኹም ኢዩ ዝበለ ድኣምበር፡ቤት መቕደስ ኣየድልን ኢዩ ኣይበለን፡፡(1ቖሮ3፥16) ፡ስለዚ ንሱ ዝበለ ንስኹም ቅድስና ዝተቐበልኩም ከምቲ ቤት መቕደስ ቅዱስን ካብ ናይ ኩሉ ህንጻታት ናይዛ ዓለም ፍሉይን ዝኾነ፡ንስኹም ውን ፍሉያትን ቅዱሳንን ምኻንኩምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፡፡ኢዩ ዝብል ዘሎ፡ ንምንታይ እግዚኣብሄር ካብ መርገመስጋን ካብ መርገመ ነፍስ ሓራ ዘውጻና ስለዝኾነ( ዮው 19፥30) ኩሉ ተፈጸመ ይብል፡፡ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ ቅድስና ዝተቐበልኩም ክንስኹምሲ ንምታይ ርኽሰት ትገብሩ? ንምንታይ ምስ ሓጥኣን ትጽምበሩ? ነዛ ቤትመቕደስ ገይሩ ጎይታ እግዚኣብሄር ዘዳለዋ ሰብነትኩም፡ብሓጥያት እንተድኣ ኣበላሽኹማ እሞ ድማ ብንስሓ እንተዘይተመሊስኩም ግን መወዳእታኹም ክፈርስ ኢዩ(1ቆሮ3፥17) ይብል፡ድኣምበር ህንጻ ቤትመቕደስ ኣየድልን ኢዩ፡ህንጻ ቤትመቕደስ ከይትሃንጹ ኣይበለን፡፡በንጻሩ ካድኣ እቲ ሃዋርያት ዝግልገልሉ ቅዱስ ቤት መቕደስ ኣምላኽ ካብ ኩሉ ዝተፈልየ ምኻኑ ቅዱስ ጳውሎ ጽሒፉ ኣሎ (2ቆሮ2፥16 መቕደስ ኣምላኽከ ምስ ጣዖታት እንታይ ስምምዕ ኣሎዎ?) ይብል፡፡እወ ሓቁ ኢዩ ጣዖታት ንመግስቲ እግዚኣብሄር ዝቃዎሙ ኢዮም፡ቤትመቕደስ ድማ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር እትግዛእን ንእግዚኣብሄር እትእዘዝን ኢያ፡ጣዖታት ብዝሙትን ብርኽሰትን ዝተዓለሱ ኢዮም፡ቤትመቕድስ ግን ብቅድስናን ንጽሕናን ከምፍቃድ ኣምላኽ እትንብር ኢያ፡ጣዖታት ሰብ ዝሰርሖም፡ብፍቃድ ደቂሰብ ዝመጹ ኢዮም፡ቤትመቕደስ ሰብ ዝሃነጻካ እንተኾነት ነገር ግን ብፍቃድ እግዚኣብሄር ዝተሰረተት ምስታ ሰማያዊት ቤትመቕደስ እትመሳሰል ንእግዚኣብሄር እተኽብር ኢያ፡፡ስለዚ ቤት መቕድስን ቤት ጣዖታትን ፈጺሙ ዘይራኸብ ከምምኻኑ መጠን፡ "ንስኻትኩም ድማ ቤት መቕድስ ኣምላኽ ምኻንኩምን መንፈስ ቅዱሱ ቀዲሱ መሕደሪኡ ክትኮኑ ዝሓረየኩምን፡-- ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኮንኩምን እሞ፡ናይዛ ዓለምዚኣ ግብሪ ኣይትግበሩ፡ቤትመቕደስ ካብ ኩሉ ፉሉይ ከም ምኻኑ፡ፍሉያት ኩኑ፡ቤትመቕደስ ንጹሕ ከምምኻኑ ንጹሓን ኩኑ፡፡
ኢዩ ዝብለና ዘሎ ቅዱስ ጳውሎስ ሃዋርያ፡፡
ቤት መቕደስ ኣምላኽ ምኻንኩምን፡መንፈስ ኣምላኽ ኣባኹም ሓዲሩ ምህላዉንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ንዝብል ንሕና እዞሞ ናይ ሎሚ ዎሎዶ፡ቤት መቕደስ ኣይደልን ዝብል ካበይ ኣምጽእናዮ፡ቤት መቕድስ ኢኹም ዝብል ከመይ ኣየድልን ንምባል ቀየርናዮ?
======
ቤት መቕደስ ኢኹም ንዝብል፡ቤትመቕደስ ኣየድልን ብምባል እንተድኣ ተርጊምናዮ ዝመጽእ ሳዕቤን፡-እንታይ ይኾውን? ገምቱስከ፡፡
ኣብነት ንምርኣይ ዝመጹ ሳዕቤናት እዚኦም ኢዮም፡፡
1.ማቴ 5፥14 ንስኻትኩም ንዓለም ብርሃኑ ኢኹም፡ንዝበለ ውን ብርሃን ኣየድልን ኢዩ፡ ንስጋና ዝኾውን ብርሃነጽሓይ ወይውን ንኩሉንትናና ዘብርሃልና ምንጪ ብርሃን ኢዮሱስ ክርስቶስ ኣየድልን ኢዩ፡፡ምኽንያቱ ንዓለም ብርሃና ኢኹም ስለዝበለና፡ንዓለም ከብርሃላ ዝኽእል ካልእ ኣየድልን ኢዩ ንሕና ኢና ብርሃን ናብ ምብላ ክንኣቱ ኢና፡፡ለቱ ስብሃት !!!
2.ማቴ5፥13 ንስኹም ንምድሪ ጨው ኢኹም ንዝብል፡ዓለም ጨው ዝዕድል ኣየድልያን መቐረት ዓለም ንሕና ኢና፡ዓለም መቐረት ክህልዋ እንተኾይኑ ካብ ካልእ ንዝኾነ ምርኣይ ወይ ምምዕዳው ኣየድልያን ኢዩ፡ዋላ ንክርስቶስ ከተምልኾ ኣየድልያን ኢዩ፡ምኽንያቱ ጨዋ ኢኹም ስለዝበለ፡ናይ ዓለም ጨው ንሕና እምበር ፡ደጊም እግዚኣብሄር ኣይኮነን ናብ ምባል ናብ ናይ ሰይጣን ትምህርቲ ይወስደና፡፡
3.መዝ 22፥6 ኣነ ሓሰኻ እምበር ሰብ ኣይኮንኩን፡-ንዝብለ ቅዱስ ዳዊት ካብ ፍጥረት ሓሰኻ ኢዩ፡ስለዚ ሰብ ኣይኮነን ፡፡ቅዱስ ዳዊት ካብ ፍጥረታት ሓሰኻ ኢልና እንተድኣ ተርጊምናዮ ድማ፡ጎይታናን መድሓኒና ኢዮሱስ ክርስቶስ "ኢዮሱስ ወዲ ዳዊት" ኢሉ ዝጭድር ዝነበረ ባርጤሞዎስ ( ማር10፥47) ወዲ ዳዊት ስለዚ በለ፡- ኢዮሱስ ካብ ስጋ ሓሰኻ እምበር ካብ ስጋ ሰብ ኣይኮነን ዝተዋሃሃደ፡ምኽንያቱ ቅዱስ ዳዊ ኣነ ሓሰኻምበር ሰብ ኣይኮንኩን ስለዝበለ፡ክርስቶስ ውን ወዲ ዳዊት ስለዝተባህለ፡ኣምላኽና ዝተዋሃሃዶሲ ካብ ፍጥረት ሓሰኻ ብዝተወስደ ስጋ ኢዪ ናብ ዝብል ኣዚዩ ንመንግስቲ እግዚኣብሄርን ክብሪ ቅዱሳንን ዝጻረር ትምህርቲ ኣጋንንቲ ክወስደና ኢዩ፡፡
=====
ስለዚ ቤት መቕደስ ኣምላኽ ኢኹም ስለዚበለ ንሕና ከም ቤት ምቕደስ ክንነብር ክንጽዕር ድኣ ይግባእ እምበር ኣየድልን ናብ ዝብል ጉጉይ ምንፍቅናዊ ትምህርቲ ክንስዕብ ኣይግባእን፡፡እግዚኣብሄር ካብ ጉጉይ መንገዲ ይሓልወና፡ነቶም ዝጠፍኡ ድማ ይምለሰልና ዝቐጸለ ሕቶ 2፡-
መጋረጃ ቤት መቕደስ ኣብ ክልተ ተተርተረ (ማር15፥38) ስለዝበለ ቤት መቕደስ ንምንታይ ኣድለየ? ንዝብል፡-
=======
መጀመርያ ተተርተረ ምባል፡ፈረሰ ምባል ሓደ ኣይኮነን መጋረጃ ክትርተር ይኽእል ኢዪ፡ክፈርስ ግን ኣይክእልን ፡ ብጨርቂ ዝስራሕ ንሕና ንፈልጥ ይትርተር ይበሃል ድኣምበር ይፈርስ ኣይበሃልን ኢዩ፡፡ስለዚ መጋረጃ ቤት መቕደስ ካብ ላዕሊ ክሳዕ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተተርተረ፡ዝብል ዘሎ ኣቐዲሙ እቲ ቤትመቕደስ ኣብ ክልተ ዝተመቕለ መጋረጃ ዘይምምባሩን፡ብዜይካ ካህን ንበይኑ ድማ ካልእ ተኻፋሊ ሕብስቲ ክኾውን ዝኽእል ዘይምምባሩን ኢዩ ዘርእየና፡፡ካብቶም ናይ መወዳእታ ናይ ቡሉይ ኪዳን ካህን ዝኾነ ምስ ሓዲሽ ኪዳን ድማ ምትእስሳር ዘሎዉ ካህን ዘካርያስ ውን ኣብ ውሽጢ ቤት መቕደስ ኮይኑ ዕጣን ክዓጥን ከሎ እቶም ህዝቢ ብወጻኢ ኮይኖም ኢዮ፡ ዝጽበይዎ ነይሮም ድኣምበር ኣብ ውሽጢ ምስኡ እናተቓባበሉ ኣይነበሩ፡፡ (ሉቃ1፥9-10)፡እዚ ኸኣ ኣብ ዓመት ሓንቲ ግዜ ጥራይ ብዕጫ በጺሕዎ ኣትዩ ዘገልግሎ ዝነበረ ኢዩ፡ምኽንያቱ እታ ናይ ብሉይ ቤት መቕደስ፡ሓደ ካህን ኣብ ዓመት ሓንቲ ግዜ ጥራይ ከገልግል ከምዝግብኦ ኢዩ ዝእዝዝ (ዘጽ30፥10) ንመልከት፡፡
ሎሚ ግን፡- ድያቆን ተንስኡ ለጸሎ ክብል እንከሎ እዝግኦ ተሳህለነ፡ብምባል ህዝቢ ይቅበሎ፡ ካህና ኣብ ቅድስተቅዱሳን ኮይኖም ሰላም፡ለኩሉኩሙ፡ክብሉና እንከለዎ ምስለ መንፈስከ ብምባል እቶም ከምኡ ክርስትያን ዝኾኑ ህዝቢ ይምልሱ፡ ስለዚ ቅዳሴ ቅድም ኣብ ብሉይ ዝነበረ ሓደ ካህን ኣብ ውሽጢ ቤት ምቕደስ ተዓጽዩ ይቕድስ፡እቲሎም ህዝቢ ብወጻኢ ይኾኑ፡፡ንሱ ግን ተዓጽዩ ንበይኑ፡እቲ መጋረጃ ድማ ኩሉንትንኡ ዝተዓጸወ ኮይኑ ይቕድስ ነይሩ፡ሕጅ ግን ጎይታናን መድሓኒናን ኢዮሱስ ክርስቶስ ህዝብን ካህናትን እናተቓባበልኩም ቅዳሴኹም ስርዑ መስዋእትኹም ኣነ ኢየ እሞ፡በይኖም ካህናት ንመስዋእቲ ከቅርቡኒ ኣይግባእን፡ኩሉኹም ቆይምኩም ኣሀዱ !!! ምስተባህለ ኩሉኹም ቁሙ ስለዝበለና፡- ኩሉና ተሳተፍቲ ክንኾውን ብማለት ኢዩ፡፡ሽዑኡ ነቲ ሕብስተ መስዋእቲ ካህናት ጥራይ ዝበልዕዎ ዝነበሩ ሕጅ ግን ስጋይ ዘይበልዐ፡ደመይ ዘይሰተየ ናይ ዘልኣለም ሂዎት የብሉን (ዮሓ6) ስለዝበለ ካህን ጥራይ ዘይኮነ ኩሉ ኣማኒ ተኻፋሊ ናይ ምኻን መሰል ተዋህበ፡፡
======
ስለዚ እዚ መጋረጃ ቤት መቕደስ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተተርተረ ዝብል ዘሎ ነዚ ከመልክት ስለዝደለየ ድኣምበር፡ቤት መቕድስ ምህናጽ ኣይድልን ኢዩ ንምባል ኣይኮነን፡፡ንምኻኑ ጎይታናን መድሓኒናን ኢዮሱስ ክርስቶስ ቤት መቕደስ ኣየድልን ኢዩ ዝብል ትምህርቲ ኣበየናይ ቦታ ከምኡ ኢሉ? በንጻሩካድኣ፡ቤተይ ንኹሎም ኣህዛብ ቤት ጸሎት ተባሂላ ክስመ ኢያ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጋሓሉት ገበርኩሞ (ሉቃ16፥46) ብምባል ነቶም ንቤት መቕደስ ዘርከሱን ንቤት ጸሎት ቤት ሸቐጥ ዝገበሩዎን ክሶጎምን ኣእህዛብ ማለት ዘይኣመንቲ፡ብሰለስትነትን ሓድነትን ስላሴ ኣሚኖም ብስጋውነት እግዚኣብሄር ውን ብምእማን ንዕዖኦም ቤት ጸሎት ተባሂላ ክትስመ ድኣምበር ኖርማል ገዛ ከምዘይኮነ ኣጸቢቑ ገሲጽዎም፡፡እዚ ኣቕዲሙ ብነብያቱ ገይሩ እዛ ሕጂ ዘላ ቤት መቕደስ ንኹሎም ኣህዛብ ቤት ጸሎት ከምትኾውን ኢያ ኢሉ ዝተናገሮ ኢዪ (ኢሳ56፥7) ተመልከት፡፡

ስለዚ ኣብቲ እዋን ብሉይ ቤት መቕደስ ኣምላኽ ንኣህዛብ ትምልከቶም ከምዘይነበረት ኩሉና ዘይንዝግዖ ሓቂ ኢዩ፡ንኹሎም ኣህዛብ ቤት ጸሎት ተባሂላ ትስመ ዘላ ግን ሒጂእቲ መጋረጃ ቤት መቕደስ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ኣብ ክልተ ምስተተርተረ፡ኢዮሱስ ክርስቶስ ቅዱስ ስግኡን ክቡር ደሙን ዝፍርተተሉ መስዋእቲ ኮይኑ ካብታ ድሕነት ዝተፈጸመላ ግዜ ምኻኑ ንኽነግር ደኣ እምበር ፈሪሱ ኢዩ ስለዚ ኣየድልን ኢዩ፡ናብ ዝብል ናይ ክሕደት ትምህርቲ ኣጋንንቲ ክንስዕብ ኣይግባእን፡፡ መታሓሳሰቢ፡ተተርተረ ዝብል ፈሪሱ ኢዪ ደጊም ኣየድልን ኢዩ ናብ ዝብል እንተድኣተርጊምናዮ ዝመጽእ ዝዓበየ ኽሕደት ተመልከት፡-
1.ሰብነት ወድሰብ ብስጋ ምስ ሞተ ስግኡ ብምልኡ ይፈርስ ኢዩ፡፡ ስለዚ (ኢሳ26፥19 ምውታት ህዝብና ህያዋን ክኾኑ፡ሬሳታቶም ከኣ ክትንስኡ ኢዮም፡) ንዝብል ተስፋ ሰማያትና ዝኾነ ትንሳኤናውን ፡ስጋና ሕጂስለዝፈረሰ ብስጋ ስለዝሞትና ደጊም ትንሳኤ ዘጉባኤ ዝብሃል የለን ናብ ዝብል ሰይጣናዊ ትምህርቲ ይወስደና፡ለቱ ስብሃት፡፡
2.ሃዋርያት መብዛሕትኦምን ቅዱሳን ኣቦውን ክሳብ ሞት እሙን ኩንሞ፡ኣነ ውን ኣኽሊል ዓወት ክህበካ ኢየ፡ (ራእ2፥10) ንዝብል እሙን ቃል ብምሓዝ ንዝሕለፍዎ ሰማእትነት ስለዝሞቱ ፈሪሶም ኢዮም፡ምኽንያቱ ገሊኦም ስግኦም ተቆራሪጹ፡ገሊኦም ብዝኸፍአ ኣማውታ ከም ቅዱስ ጳውሎስ ክሳዶም ተሰይፎም፡ከም ቅዱስጅዮርጅስ ዝኣመሰሉ ውን የዕጽምቶም ከይተረፈ ተጣሒኑ ኣብ በሪኽ ቦታ ኮይኖም ኣዝርዮሞ፡ኢዮም፡ነዚ ብድፍረት ሰብነቶም ፈሪሱ እንድዩ ህያዋን ኢዮም ዝብል ትምህርቲ ካበይ መጸ? ጅዮርጅስ ሊቀሰማእት ሰብነቱ ጢሒኖም ኣዝርዮሞ ክንሶምሲ ዝፈረሰ ከመይ ኢሉ ክትንስእ ይኽእል? ናብዝብል ኢክርስትያንያዊ ስነሓሳብ ከምንሓስብ ይገብረና፡፡እግዚኣብሄር ክፉእ ነገራት የርሕቀልና፡፡
3.ኣብ መወዳእታውን፡ መጋረጃ ቤትመቕደስ ኣብ ክልተ ተተርተረ ንዝብል፡ደጊም ኣየድልን ኢዩ እንተኢልና፡ ሰብነት ጎይታናን መድሓኒናን ኢዮሱስ ክርስቶስ ውን ቤት መቕደስ ኢያ፡፡ (ዮሓ2፥19-22 ነዚ ቤት መቕደስ እዚ ኣፍርስዎ ኣነ ድማ ብሰለስተ መዓልቲ ከልዕሎ ኢየ፡፡) ኢሉ ብዛዕባ እቲ እንጻ ዘይኮነስ ብዛዕባ ሰብነቱ ይዛረብ ምንባሩ፡ሃዋርያት እውን ብዛዕባ ሰብነቱ ይዛረብ ከም ዝነበረ ድሕሪ ትንሳኤኡ ብዝተረድኦም (ዮሓ2፥22) ስለዚ ንሱ ብሞቱ ስለዝፈረሰ፡- ኣይተንሰአን ናብ ዝብል ክሕደት ይወስደና፡ምኽንያቱ ንሱ ቤት መቕደስ ኢዩ፡፡ነቶም ሰባት ድማ ነዚ ቤት መቕደስዚ ኣፍርሲዎሞ ኣነድማ ኣብ ሰለስተ መዓልቲ ከልዕሎ ኢየ ማለቱ፡ንዓይ ቅተሉኒሞ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ክትንስእ ኢየ ማለቱ ኢዩ፡፡ስለዚ መጋረጃ ቤት መቕደስ ኣብ ክልተ ተተርተረ ንዝብል ደጊም ኣየድልን ኢዩ እንተኢልና፡ጎይታናን መድሓኒናን ኢዮሱስ ክርስቶስ ውንኮ ስለድሕነትና ክብል፡ብኹርማጅ ተገሪፉ፡ብእሾኽ ተቲዕም ኣብ ርእሱ ተደፍኢሉ፡13 ሕማማተ መስቀል ተቐቢሉ ኢዩ፡፡ስለዚ ኣየድልን ኢዩ ማለት ድዩ፡መከራ ስለዝተቀበለ ኣየድልን ኢዩ ናብ ምባል ኢዮ ዝወስድ እዚ ክሕደታዊ ትምህርቲ፡ካልእውን ብዙሕ ክንብል ንኽእል ኢናሞ፡ኣብ ጌጋ መንገዲ ንዘለዉ ብስጋ የሕዋትና ናብዛ ቅድስትን ሃዋርያዊትን ዝኾነ ቤተክርስትያን ክመልሶም፡ንዓና ንደቁ ድማ ካብ ክሕደታዊ ትምህርቲ ኣጋንንቲ ካብ ምስማዕን ካብ ምዕንቃፍን ክሕልዎና ሰናይ ፍቓድ እግዚኣብሄር ይኹነልና ኣሜን፡፡
ሕቶ 3፡-. ኣበየ ቦትኡ ህንጻ ቤት መቕደስ ንምንታይ ኣድለየ? ይብል፡፡እዚ ድማ ጎይታናን መድሓኒናን ኢዮሱስ ክርስቶስ ብዝኣዘዞ ድኣምበር፡ኦርቶዶክስያውያን ካብ ባዕሎም ዘበገስዎ ኣይኮነን፡፡ከምቲ ኣቐዲምና ዝብለናዮ፡" ቤተይ ቤት ጸሎት ተባሂላ ንኹሎም ኣህዛ ክትስመ ኢያ፡'ዝብሎ ቅዱስ ኢስይያስ መሰረት፡ብምግባር፡እግዚኣብሄር ድሕነት ንኹሉ ሕዝብን ኣህዛብን ድኣምበር፡ንህዝቢ ጥራይ ኣይመጸን፡ስለዚ መጀመርያ ነቶም ህዝቡ ዝነበሩ ድሕነት ሰበኸሎም ነታ መንፈሳዊ በረኸት ንኽሓፍሱላ ኣቐዲሙ ክሃንጽዋ ዝኣአዞም ቤትመቕደስ ድማ ብኸመይ ዝበለ ኣተሓሕዛን፡ነየናይ መስዋእቲ ክስውኡ ከምዝግብኦምን ኣጸቢቑ ገሊጽሎም ኢዩ፡፡ ስለዚ ነቶም ዝተቐበልዎ " ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ኣነ ኢየ "ብምባል መስዋእቲ ንዑኡ ድኣምበር ካልእ እንስሳታት ንኸይስውኡ ኣጠንቒቕዎምን ምሂርዎምን፡፡ (ዮሓ 6፥51) ነቶም ዘይተቐበልዎ ድማ ግብሮም ስለዝርኣየ ንምንታይ ኣብ ቤተይ ትሽቅጡን ዕዳጋ ትገብርዎን ኣሎኹም፡እዚኮ ኣቐዲመ 'ዓይነይን ልበይን ንሓዋሩ ኣብኣ ከንብር ኢየ፡ኣብኣ ንዝጽለ ጸሎት ኩሉ ክሰምዖን፡ብቅዱስ ስጋይን ክቡር ደመይን ካብ ባርነት ሓጥኣት ከውጽኦን ኢየ፡' (1ነገ9፥3) ዝበልኩኹም ኢያ፡ንምንታይ ድኣ ንስኻትኩም ቤት ሸቐጥ ገበርኩሞ፡እዚኣ እንተላይ ኣህዛብ ተስፋ ዝገብሩሉ ቅዱስ ቤት ኢያኮ፡ " (ዮሓ2፥16) ብምባል ነቶም ህዝቡ ዝነበሩ ገሰጾምን ገንሖምን፡፡
ስለዚ ኣንታ " ቤት መቕደስ ምህናጽ ንምንታይ ኣድለየ እትብል" ወሎዶ ካብ ዝተገሰጹ ሰባት ከይኮንካ ኣይትተርፍን፡፡ "ካባኻሲ ንሳቶም እካ ይሕሹ ንሶምሲ ቤት ሸቐጥ ገበርዎ፡ንስኻ ግን ጨሪሱ ኣየድልን ኢዩ፡ኢልካ ንቤተይ ትቃዎምሲ ንስኻ መንኮይንካ ኢካ " ኢሉ ክርስቶስ ይምልሰልካ ኣሎ፡፡
ብሓቂ ቤት መቕደስ ዘድለየሉ ምኽንያት፡- ስጋዊ መፈወሲ ተባሂሉካ ብዓለማውያን ኣበየ ቦታት ቤት ሕክምና ዝህነጽ ዘሎ፡ሕክምና ምኻድ ኣየድልየንን ኢዩ፡ዶክቶር ኣብ ገዛይ መጺኡ ይፈውሰኒ ንምባል ንምድፋር እናተሳእነሲ፡ነታ መንፈሳውን ኣምላኻውን ፈውሲ ዝምስርሓላን ዝፍወሰላን ቤት መቕደስ ደኣ ከመይ ኢሎም ክደፍሩን፡ኣብ ገዛይ መጺኡ ይፈውሰኒ፡ብምባል ክደፍሩ ከኣሉ፡፡ኣቤት ድፍረት???
በሉ ኣንቶም፡ የሕዋትና ንሳሲ መንፈሳዊ ሕክምና ዝካየደላ፡ብሓጥያት ዝሓመሙ ብቅዱስ ንስሓ ተሓጺቦም ብቅዱስ ስግኡ፡ ክቡር ደሙን ዝፍወሱላ ብምኻና፡ኣበየቦታ ቤት መቕደስ ምህናጽ ኣድለየ ከድሊውን ኢዩ፡፡
" ኪዱ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም ፡ዝኣዘዝኩዎ ክፍጽሙ እናመሃርኩም ደቂመዛሙርተይ ግበርዎም "(ማቴ28፥19-20) ዝብል፡ቤት መቕደስ ክሃንጹ ከምዝግብኦምውን የስምዕ ኢዩ፡፡ምኽንያቱ እቶም ዝተጠምቁ ኣቐዲሞም ኣህዛብ ዝነበሩ፡እንተድኣ ተጠሚቖም ኣበይ ኮይኖም ኢዮም፡ቅዱስ ስግኡን ክቡር ደሙን ክቕበሉ፡ኣበይኮይኖምከ 7 ምስጢራተ ቤተክርስትያን ክፍጽሙ ፡" ዝኣዘኩዎ ክሕልዎ መሃርዎም " ዝብል ትእዛዝ ተዋሂቦም፡፡ስለዚ እዚውን ነቲ ዝተጠምቀ ቤት መቕደሱ ሰሪሑ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ንኽሕልዉ ኣዘዘና ድእምበር ቤት መቕደስ ከይትሃንጹ፡ ነቲ ዝተሃንጸውን ፈንጥሕዎ ኣይበለን፡፡እግዚኣብሄር ነዚ ክንገብር ብጸግኡ ይደግፈና፡፡
ሕቶ4ን 5ን፡ክልቴአን ከምዚ ይብላ፡፡ቤትመቕደስ ብስም ቅዱሳን ምህናጽ ንምንታይ ኣድለየ? ናብ ቤትመቕደስ ምኻድከ ንምንታይ ኣድለየ? ይብላ፡፡
ሕቶ ቁጽሪ 5
ኣብዚ ዝብለናዮ ተመሊሳ ኢያ፡፡
ብስም ቅዱሳን ምህናጽ ንምንታይ ኣድለየ ዝብል ድማ፡?
እሺ ኣንታ ቤት መቕደስ ኣየድልን ኢዩ፡ኢልካ ዝኸሓድካ ትምህርቲ ሰይጣን ዝሰዓብካ ሰብ ሕጂውን ብስም ቅዱሳን ምሕናጽ ንምንታይ ኣድለየ ትብል ኣሎኻ፡፡ብስም ኢዮሱስ ክርስቶስ ክህነጽ ከምዝግብኦ ግን ሕቶኻ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሕልናኻ ዘሎ ድጉል እምነት ፈርፊዑ የውጽኦ ኣሎ፡፡እሞ ኣነውን ክሓተካ ኢየ፡ብስም ኢዮሱስ ክርስቶስ ዝተሰመየ ቤት መቕደስከ ክህነጽ ከምዝግብኦ 
ኸ ትኣምነሉ ድኻ፡ብስም ስላሴ ዝተሰየመ፡ብስመ እግዚኣብሄር ዝተጸወዐ፡ወዘተ ነዚ ህንጻ ቤትመቕደስዚከ ትኣምነሉ ኢካ ማለቲዩ? ሓቂ ንገር ሕልናኻ ከምኡ ብሕሹኽታ ይነግር ኣሎ፡፡
=====
እምበኣር ቤትመቕደስ ብስም ቅዱሳን ተሰይሙ ንክህነጽ ዝኣዘዘውን እግዚኣብሄር ኢዩ፡ (ዘጽ26፥17-22 ' ታቦት ጽላት ቀሪጽካ ስራሕሞ፡ወርቂ ቀጥቂጥካ ኣብ መኽደኑ ክልተ ክሩቤል ንሓድሕዶም ዝጠማመቱ ገይርካ ስርሓዮም፡ኣነ ድማ ኣብ መንግኦም ኮይነ ክግለጸልካ ኢየ'፡፡) ይብል፡ስለዚ እዛ ታቦት ቅዱስ ሙሴ ክሰርሓ ዝተኣዘዘ ኪሩቤል ዝበሃሉ መልኣክቲ ብቅርጺ ዝተመስረሐት ኢያ፡ስለዚ እግዚኣብሄር ንዓይ ኣብኡ ስኣለኒ ኣይበሎን፡እንታይ ድኣ ክሩቤኤል ብምስሊ ገይርካ ንሓድሕዶም ፍትንፊት ዝጠማመቱ ገይርካ ስራሕ በሎእምበር፡፡እዚ ድማ ኣብቲ ቦታ ዝምለኽ ዘሎ እቶም ክሩቤኤል ዘይኮነስ እግዚኣብሄር ኢዩ ዝግለጽን ዝምለኽን ዘሎ፡፡ስለዚ ቤትመቕደስ ብስም ቅዱሳን ምህናጽና ኣብኡ ዝምለኹ ዘሎዉ እቶም ቅዱሳን ዘይኮኑሲ እግዚኣብሄር ኢዪ ዝምለኽ ዘሎ፡፡ ምላልባሽ ብስሞም እንድዩሞ ንዝብል ጥርጥር ንዘሎዎ ጌጋ ትምህቲ በጨቕ እንተበለካ፡-
ስሞም እቶም ቅዱሳብ ንባዕሉ ስም እግዚኣብሄር ዝተጻሕፎ ሰማያዊ ስም ድኣምበር ካብ ባሕርኦም ስም ፈጢሩም ዘምጽእዎ ኣይኮነን፡፡ኩሉ ስምና ስም እግዚኣብሄር ዘለዎ ኢዩ፡ብዜይካ ሓጥኣን ዝጥቀምሉ ኣስማት፡፡ቅዱሳን ስሞም ቅዱስ ኢዩ፡እዚ ቅድስናዚ ካብ እግዚኣብሄር ዝተቐበልዎ ኢዩ፡ስለዚ፡-
1. ብስሞም ቤትመቕደስ ምህናጹ ንእግዚኣብሄር ዝቃወም ኣይኮነን በንጻሩካድኣ ስም እግዚኣብሄር ዘኽብር ድኣምበር፡፡እግዚኣብሄር ውን ንቅዱስ ሙሴ "ስመይ ኣብኡ ተጻሒፉ ኢዩሞ፡ኣብ ቅድሚኡ ገለክፉእ ከይትገበር ተጠንቀቅ'' ብምባል ነቲ ስምእግዚኣብሄር ዝሓዘለ መልኣኽ ከኽብሮ ከምዘለዎ ኣዘዞ፡፡ስለዚእንዳ ሚካኤል፡እንዳገብርኤል፡እንዳሩፋኤል፡ወዘተ ምባልና ስም እግዚኣብሄር ዝተጻሕፎ ቤት ማለትና ኢና፡፡" ኤል" ዝብል ስም እግዚኣብሄር ኢዩሞ፡ ፡(ማር15፥34 ኤሉሄ ኤሉሄ)፡፡
2.እግዚኣብሄር እዉን ብስም ቅዱሳን ዝኾነ ዓይነት በረኸት ክንገብር ከምዝግባእ ንኽምህር (ማቴ10፥42 ካብዞም ንኣሽቱ ንሓደካ ብስም ወደመዝሙር ዝሑል ብርጭቆ ማይ ጥራይ ዘስቲ፡ዓስቡ ኣይስእንን ኢዩ፡) ስለዚበለ፡- "ኣሰይ!!! ጎይታና መድሓኒና ንስኻ ብርጭቆ ማይ ብስም ወድመመዝሙር ኢልካና፡ንሕና ድማ ካብ ብርጭቆ ማይሲ ሕንጻ ንክትሃንጽ ዘሎ ወጻኢታት ኣዚዩ ብዙሕ ኢዩሞ፡እሙን ቃልካ በረኸትካ ትህበና ኣሎኻ ብሕጂውን መታን በረኸትካ ክትህበና'...ብምባል ቅድስቲ ቤተክርስያን ብስም ቅዱሳን ቤት መቕደስ ትሃንጽ፡፡ኣየናይከ ይቐልል፡ብርጭቆ ማይ ብስም ወደመዝሙርዶ ወይስ ዓቢ ህንጻ ብስም ወደመዝሙር??? መልሱለይ፡እወ ንዓኹም ኢየ ኣየናይ ይዓቢ፡? ኣንቱም ብስም ቅዱሳን ንዝግበር ቤት መቕደስ እትቃዎሙ ክሓድያን መልሱ፡፡ንሱ ጎይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ግን ብርጭቆ ማይ ጥራይ ፡ኢሉ ኢዩሞ፡ኣየናይ ይቐልል ኣየናይከ ይኸብድ? ሕልናኹም ይመልሶ፡፡
==================
ኣለዓዒሉ ንዘጀመረና ኣጀሚሩውን ንዘፈጸመና ናይ እግዚኣብሄር መንፈስቅዱስ ስሙንዘልኣለም ይመስገን፡፡
ይትባረክ እግዚኣብሄር ኣምላክ ኣበዊነ ኪያነ ዘፈጠረ ከመናምልኮ፡፡በረኸትናይ ኩሎም ቅዱሳን ይኽፈለና እግዚኣብሄር ኣብጸሎትኩም ዘክሩኒ፡

onsdag 1. mars 2017

ንሓሰኻ መቀሮ፡ንሰብ ግን ሰርሰሮ!!

በስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን
ንሓሰኻ መቀሮ፡ንሰብ ግን ሰርሰሮ!!
ወገነይ ሰብ ምኽናካ እሞ ንሓንቲ ካልኢት ሕሰብ፡ልዕሊ ኩሎም ፍጥረት ብዜይካ መላእክቲ ዝዓብየካ ምንም ከምዘየለ ክርደኣካ ኢዩ።ፈጣሪኻ ካብ ሓመድ ኣልዒሉ እካ እንተፈጠረካ፡ብምስሉ ገይሩ ስለዝፈጠረካ፡ካብ ግርማነቱ፡ተፈራሕነት፡ካብ ቅድስንኡ ቅድስና፡ካብ ዕቤቱ ልዕልና ተማቓሊ ንኽትከውን ፈቒድልካ ኢዩሞ ክርድኣካ ኢዩ።
ሓደ ግዜ ጠምይኒ ስለዝነበረ፡መግቢ ክሰራርሕ ግዜ ምሳሕ ሓሊፉ ግዜ ድራር ገጹ ተገማገመ፡ምሳሐይ ሰሪሐ ምስ ወዳእኩ፡እግዚኣብሄር ዘዳለዉ ክቡር ጋሻውን መጺኡኒ ነበረሞ፡" ጥዕምቲ ፉል ከብልዓካ ኢየ፡! ብምባል ሰራሪሐ ኣዳለኹ።ሓዉኹም ኣብ ምኽሻን ንፉዕ ኣይኮንኩን፡ግን ክቡር ባህሊ ሕዙ ዝዓበየ ጋሻይ ዋላ ውሕልነት ዘይእንታያ ኢደይ እንዳረኣያ ሸፈነለይ።ጥዕምቲ፡ጥዕምቲ፡ይበል።ኣቤት ንዓኻ ትረክብ ጋል ሄዋንሲ ክንደይ ፈጢርላ እንዳበለ ኣተባብዓኒ።ኣነ ግን ነቲ ዝህበኒ ዝነበረ ኣጸናናዒ ቃል ዘይናተይ ስለዝኮነ ነታ ድካመይ እንዳቖንጠኹ፡ስቕ ኢለ ዳራርና ኣዳለኹ።
ወዮ ማእዲ ምስተቐረበ ጉዕ በርበረ ተረሰዐሞ፡"ከመይ ኢካ! ጉዕ ኣብኡ ኣንከሎ ተተቐረበ" በልክዎ።ጸገም የለን ቀርዲድካ ጥራይ ኣምጻዮ በለኒ።ካራ ኣዳልየ ነታ ዓባይ ጉዕ በርበረ ኣብ ክልተ መተርኩዋሞ፡ናይታ ጉዕ መሪርነት ንኣፍንጫይ ኮለ ገና ሰርሲሩ ኣናወጾ።ነዚ ከየስተብሃልኩ፡መኣዲ ንኸርክብ ነታ ጉዕ ተብተብ ክብል ውሽጣ ክፍት እንተበልክዋ፡ኣብ ኮቦርታ ማሚቑ ከምዝደቀሰ ተባዕታይ ድሙ ክመስል ገዚፍ ሓሰኻ ኮፍ ኢሉ ረኣኹ።መጀመርያ ሕልሚ መሰለኒ።ነገሩ ግን ሓቂ ኮነ።ናይዛ ጉዕ መሪርነት፡ነዓይ ኣፍንጫይ ሰርሰረትኒ፡ንዑኡ ነዚ ደቂቕ ፍጥረት ግን ምቾት ዝጥዕም ምቁር ሂዎት ከምዝኾነቶ ተመልከትኩ።ለካ መረርቲ ኮይኖም ዝስምዑና ነገራት፡ብእግዚኣብሄር ግን ክቕየሩ ከምዝኽእሉ ተዓዘብኩ።
ኣየ ሰብ ኢለ!! ንድኻመነተይ፡ብምውቃስ ንፍጥረት ኣምላኽ ኣድነቕኩ።ሓሰኻ ደምበ ናብ ዝለምለመሉ ከምዝበሃል፡ሕጂ ግን ንሓሰኻ፡ዋላ እቲ መሪር ከምዝልምልመሉ ተዓዘብኩ።ከመይ ኢሉ ደኣሉ ሰብ ኣብ ኩሉ ክነብር ዝኽእል እናኾነ ክንሱ፡ብቦታ ዘማርር፡በቲ ሓይሊ ዝሕቦ ኣምላኽ ኩሉ ክኽእል እናተፈቕደሉ፡ብኹሉ ኩነታት ዝመሮ፡ሓዳር፡ይኹን በይንነት፡ጥዕና ይኹን ስንክልና፡ሃብቲ ይኹን ድኽነት ኩሉ ንሰብ ከምርሮ ዘይኮነስ ከመቅሮ ነይርዎ።
ኣየ ሰብ፡ሰብ ግን ነቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ህያብ መሪርኒ በለ፡ንሓሰኻ ዘይመረተት ዓለም ንሰብ ግን መረረቶ።ንሓሰኻ ዘይሰርሰረት ናብራ፡ንሰብ ግን ሰርሰረቶ።ንሓሰኻ ዘይቀተለት ዓለም ንሰብ ገን ብሓጥያት ቀተለቶ።ክገርመኩም ነዚ ሓሰካ ኣብ መሪር ጉዕ ተመችእዎ ምጽንሑ፡ሰብ ኣብቲ ኣነዝበለ መሪር ኩነት፡ብሓይሊ ኣምላኽ ክቕመጥ ከምዝኽእል ተማሃርኩ።ንሰብ ክነብረላ ኣዝያ እተጸግሞ ሓንቲ ቦታ ጥራይ ኣላ፡ንሳ ሲኦል፡ምዕባያ ሓፍታ ድማ ገሃንመ እሳት ኢየን።ኣብዜአን ንኽነብር ኣዝየን ኣጸጋሚ ኢዩ።ከይፈተወ ኢዩ ኣባአን ክኸይድ፡እዚ ድማ ግብሩ ምስተዘርገሐ፡ንዑኡ ዘውህብ ደሞዝ እንተገይሩ፡ክፊልት ዝወሃቦ ኢዩ፡ተዘይኮነ ንሰብ ኢሉ ዝተዳለወ ዕረፍቲ ኢዩ ነይሩ።ብሰንኪ ድኻሙ ግን ናብዚ ዝኸፈአ ቦታ ብፍታዊ ክኸይድ ኢዩ።
ንሰብ ኣዝዩ ክጽመማ ዝግበኦ ድማ ሓንቲ ቦታ ኣላ ንሳ ድማ ክሳብ ኣብዛ ምድሪ ዘሎ፡ህይወቱ እተንከባኽቦ ምድሪ።ንሰብ ሓንሳብን፡ንሓዋሩን ሙሉእ ምቾትነት እትህቦ ድማ ሓንቲ ቦታ ኣላ።ገነት፡ምዕባያ ሓፍታ ድማ መንግስተ ሰማያት።ናብዛ ዓባይዚኣ ክሳብ ንኣቱ ግን ከም ሓሰኸ፡ ዓለም ከም ጉዕ ክትጥዕመና ኣሎዋ።ንሳ ዘይኮነት ትጽመመና፡ንሕና ኢና ክንጽመማ ዝግበኣና።ሓሰኻ ደኣ ተጸመመ እምበር፡ጉዕ ኣይተጸመመቶን።ዝገርመኒ እዚ ሓሰኻ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ነታ ጉዕ በሊዑ ጥራሕ ኢዳ ከትርፋ ከምዝኽእል ኣመንኩ።ሰብውን ኣብዛ ብሓጥያት ከም ጉዕ በርበረ እትመርር ዓለም፡ዋላ ደኣ ይቀመጥ እምበር፡ከምቲ ኣብ ጉዕ ዝኸተመኡ ሓሰኻ እንተተጸሚሙ፡ሓጥያታ ሲዒሩ ንሱ ምልምል ወዲ መንግስተ ሰማያት ኮይኑ ክቐርብ ይኽእል ኢዪ።ምኽንያቱ ምድሪ ከም ጉዕ እካ እንተመረረት፡ንሕሰም ምረታ ንዝጻወር ሰብ ግን ከም ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ ዘይሓልፍ ኣኽሊል ተነቢርሉ ኣሎ።
ወይ ዓለም፡ነቲ ደቂቕ ፍጥረት ሓሰኻ ምድፋር ሰኣነቶ፡ነቲ ሰለስተ ዓመት ዝኣክል እግሪ እግሪ ጎይታ እንዳኸደ ወንጌል ዝጸገበ ይሁዳ ግን ደፈረቶ።ሓሰኻ ብጥበቡ ንዓለም ምችእቲ ከምትኸውን ገይሩ ሰዓራ፡ይሁዳ ግን ብዕሽነቱ ኣብ ዓለም ተጣዒስካ ምምባር ምረት ኮይና ተሰመዓቶሞ ተሓንቀ።ንሓሰኻ መቀረቶ፡ንሰብ ግን መረረቶ።ሓሰኻ ለበመ፡ሰብ ግን ሰርሲሩኒ ኢሉ ንድሕሪት ሃደመ።
ወስብሃት ለእግዚኣብሄር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።

ኣነ ግዳ ውሉድካ ንክናኣናዊት'ኳ ዝመሓርካ...

 በስመ ሥላሴ ኣብራም'ዩ ግብረይ ኣብ ካራን ምንባረይ ሃብታም'ዩ ሰፈረይ ብዘመናዊ ስራይ ኣብኡ'የ ዝወድቕ ይሃጥር ብስጋይ ሓሽከት ሓጣውእ ይበራረዩለይ ገንዘብ ሶዶም ክኸስብ ገንዘብካ ይስእኖ እናሻዕ ይንኖ...