mandag 27. mars 2017

ኣማርቐኒዶ ወይሲ ኣራግመኒ ኢኻ ዝበልካ!

በስመ ሥላሴ



ዘለናዮ ዘመን፡" ንዑ ንርገም ዝብሉ እምበር፡ንዑ ንመርቕ" ዝብል ፈጺሙ ተሳኢንሉ ዘሎ ዘመን ኢዩ።ወድሰብ ሓንቲ ልሳን ተዋሂባቶ ከተብቅዕ፡ነዛ ካብ ኩሉ ፍጥረት እትፈልዮ ልሳን(ነባብነት)፡ክረግመላ ይውዕል ኣሎ።ወይ ጉድ፡-ከመይ ደኣሉ ዝሕሰቦ፧ ሓደ ሰብ እንቃዓ እንቃዓ እንዳስተንፈሰ፡" ንዑባ ኣራግሙኒ፡ክረግም ደልየ ኣሎኹሞ ኣራግመኒ፧" ዝብለኩም ሰብ ረኪብኩም ትፈልጡዶ፧ኦይ እንድዒ ንዓኹም እምበር ንዓይሲ፡መሊኦም፡እረ ኣነውን ኣብቲ ቁጽሪ እትዉ ዝኾንኩሉ ኣጋጣሚታት ቆጺርካ ኣይውዳእን።

"ክሓሚ ደልየሞ፡ኣታሕምየኒ፡ክጸርፍ ደልየሞ ኣጻርፈኒ፡ክቃወም ደልየሞ፡ኣቃውመኒ፡ክቐትል ደልየሞ ኣቃትለኒ፡ክኽሕድ ደልየሞ ኣካሕደኒ፡ ክጠራጠር ደልየሞ ኣጠራጥሩኒ፡ክዕንድር ደልየሞ ኣታዓናዱሩኒ፡ክርስትናዊ ሉጋመይ ክበትኽ ይደሊ ኣሎኹሞ ኣባትኸኒ፡ክጭክን ይደሊ ኣሎኹሞ ኣጫኽኑኒ ክስዕስዕ ደልየሞ ኣሳዕስዓኒ፡ክደርፍ ደልየሞ ኣዳርፈኒ።" ብዝብሉ ሰባት ዓለምና እንዳተጎልበበት ትመጽእ ኣላ።እዚ ኩሉ ዝበልናዮ ብቃንቃ መንጽሓፍ ቅዱስ፡ወይውን ብሓሳብ እግዚኣብሄር "መርገም" ይበሃል።
ወገናተይ ነዚ ኣጽዋርዚ ሒዝኩም ዝኸድኩሞም ሰባት ከይተረደኣኩም ኣራግሙኒ እንዳበልኩሞም ኢኹም።ከምዚ ዝብሉ ሰባት ክመጽኹም፡ከለዉ'ውን 'ንዑባ ንርገም' እንዳበልኹም ኢዮም።ይዋእ ዓለም፡ክርስቶስ ክነግሰላ ዝግበኦ፡መርገም ነጊሱላ።
ኣብ ፖሎቲካዊ ዓዘቕቲ ተዋሕጡ ዘሎ ወለዶ፡እቲ ሓደ ወገን ነቲ ካልኣይ ወገን ስለዘይሳማምዖ፡ክቃወሞ ኢዩ ዝነብር።ክቃወሞ እንከሎድማ፡"ኤህ የጥፍእካ፡ተመንቆስ፡ክጠፍእ ኣሎዎ፡እንዳእገለ ክጸንቱ ኣሎዎም፡ምምባር ኣይግበኦምን ኢዩ፡ዝብሉ መሳርሒ ኣጽዋር ሒዞም ኢዮም ዝቃወሙ።እቶም ሓደ ወገን ድማ ልክዕ ብኸምዚ መልክዕ ተጠጅኦም ስብከቶም ይድርጉሑ።ኣብዚ ሕጂ እዋን ብፍላይ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ካብ ኣምልኾ እግዚኣብሄር እንዳረሓቐ ዝኸደሉ ዘሎ ዘመን፡ኣብ ክንዲ ቀናእ ብሃይማኖቱ፡ ፖሎቲካ ዝብህግ በብዕለቱ፡ኣብ ክንዲ ስመያዊ መንነቱ ዝቋምት፡ምድራዊት ሰብነት ዘህርፎ ወለዶ ተወሊድና ኣለና።ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከይዲ ሂዎት ናይ ወድ ሰብ ልሳኑ መርገም ንምውጻእ ድሕር ዘይትብል ኮይና ክሳብ ጥርዚ ናይ ምንዕዓቕ በጺሕሉ ዘሎ ዘመን'ዩ፡።
ንኣብነት ሓደ ሰብ፦ 
'ንሓደ ወገን ክዝልፎ'የሞ ኣዛልፈኒ፡ኤህ ይሞንቁስካ ኢለ ክረግም ደልየ ኣሎኣኩሞ፡ኤህ ኣባህለኒ፡'  እናበለ ተሃንዲዱ ይመጻኩም ንበል።ኣጋጣሚ ኮይኑ ንስኹም ድማ ናይዚ ሰብዚ ተቓወምቲ ማለት ነቲ ንሱ ዝድግፎ ዘሎ ዓይነት ፓርቲ ተቓወምቲ ትኾኑ፡ኣራግመኒ፡ ኤህ ኣባህለኒ ክብለኩም፡ስለዝመጸ፡ዋላኳ ነቲ ንሱ ዝረገሞ ኣይትርገምዎ ምበር፡ነዚ ሰብዚ ብሕልናኹም፡ጥፍኣቱ እንተተመኒኹም፡ብናይ ልብኹም ልሳን እንዳረገምኩሞ ኢኹም።መርገምኮ ጸሎት ኢዩ፡ግን ፍንፉን ጸሎት።እግዚአብሔር በዚ ዝጸለኻዮ ፍንፉን ጸሎት ንጥፍኣትካ ክገብሮ ይኽእል ኢዪ።
ኣንቱም ወገናተይ፡ኣምላኽናሲ ተራገሙዶ ወይስ መርቑ ኢዪ ኢሉና፡ጽረፉዶ ወይስ ወድሱ፡ብዙሓት ፓርትታት ኮይንኩም ኣብዚ ዓለም በበይንኹም ንበሩ ድዩ ኢሉስ፡ወይሲ ሓደ ኩኑ፧ ንዝጸረፈካ ጽረፍዶ፡ንዝጸረፈካ ስሌኡ ጸሊ፧ ክዳንካ ንዝመንጠለካ ንስኻ ድማ መንጥሎዶ ወይሲ፡እታ ሓንቲ ክዳንካውን( እጀ ጠባብካካ ደኣ) ሕደገሉ፡ምዕጉርትኻ ንዝጸፍዓካ ጽፍዓዮዶስ ወይሲ እታ ሓንቲ ምዕጉርትኻውን ድገመኒ በሎ ኢዩ ኢሉና፧ እንታይ ኢና ንኾውን፡ዘለና፧ (ማቴ5፣39---44)
እስከ ደጊመ ክሓተኩም ዝፈትወኩም ወገናተይ።ኣምላኽና መን ኢዩ ኣቦ መርገም ዝኾነ ሰይጣንዶ ብባህሪኡ ምሩቕ ቅዱስ ዝኾነ እግዚአብሔር፧ ኣቦ ሓሶት ዝኾነ ሰይጣንዶ፡ብባህሪኡ ሓቂ ዝኾነ ክርስቶስ፡ቀታሊ ነፍሲ ዝኾነ ድያብሎስዶ፡ብባህሪኡ ሂዎት ዝኾነ ኣምላኽና ኢዮሱስ ክርስቶስ፧ (ዮው8)
ዝተጸዋዕናሉ ዕላማ ኣብዛ ዓለም ንጸልኦም ሰባት መታን ከነጥሪ ኣይኮነን።ንዝጸልኡና ሰባት ከነፍቅር እምበር።ንዝፈትወካ ተፈተኻ ሼቐጥ ኢዩ፡ምኽንያቱ ስለዝፈተወካ ኢኻ ዝፈተኻ፡ንዝጸልኣካ ምፍቃር ግን መንፈሳዊ ጉልበት ዝሓትት ጭዋነት ኢዩ።ንዝመረቐካ ምምራቕ ትያትር ኢዩ፡ንዝረገመካ ምምራቕ ግን ናይ ክርስትያን ባህሪ ኢዩ፡እስከ ካብ ሃዋርያት እንዳተራገመ ዝነብር ዝነበረ መን ኣሎ፧
ፍርዲ ክጅምር እንከሎ፡"ስለምንታይ ካልእ ኣሚንካ" ብዝብል ዘይኮነስ፡ስለምንታይ ኣማኒ እንከለኻ ከምዚ ገይርካ ብዝብል ኢዩ ዝጅምር።ክቡር ሃዋርያ ጴጥሮስ ፍርዲ በቶም ኣብ ቤቱ ዘለና ኢዩ ዝጅምር በለ።" እስመ በጽሓ ግዜሁ፡ለፍዳ ዘያቀድም እምነ ቤቱ፡ ለእግዚኣብሄር።ወእመሰ ኮነ እምሀቤነ ኣቅድመቱ ምንተ፡እንከ ይከውን ድህሪቶሙ፧ለእለ ይክሕድዎ ለወንጌሉ፡ለእግዚኣብሄር።
(1ይ ጴጥ4፥17)"

ትርጉም፦
"ፍርዲ በቶም ኣብ ቤቱ ዘለና ዝጅምር ካብ ኮነስ፡እቶም ኣብ እምነት ዘየለዉ ደኣ ከመይ ክኾኑ ኢዮም፡!"ኢሉ ኢዩ ብኣስተንትኖም፡ስለዞም፡ናይ ሎሚ ኣብ ቤቱ ዘለና ግን ከኣ ፖሎቲካ ዓጢጥና፡ብዛዕባ ግብሪ ጽድቂ ንድሕሪ ኣወንዚፍናዮ ዘለና ደቁ ዘዘኻኽረና ዘሎ።ሎሚ ዳርጋ ዝበዘሕ ሰብ ኣብ ከምዚ ዓይነት ሓሸዉየ ዝእተወ እምበር፡ጽባሕ ንግሆ ፍርዲ ከምዘሎ ፈሊጡ፡ክፉእ ካብ ኣፉን፡ካብ ልቡን ንኸየውጽእ ዝወሰነ ሰብ ኣዝዩ ዉሑድ'ዩ።እዚ ተኾይኑ ከኣ ንእግዚአብሔር እሺ ክሳብ ዘይበልናዮ ናብ ዝረግም፡መንፈስ ኣሕሊፉ ይህበና።ብፍታውና ጸግ ኣቢልናዮ ካብ ከድና ብፍታዉ ይሓድገና። እትምርቅ ቤተ ክርስትያን ኣኣብ ዘለናዮ እንዳሰደደልና ተዘይተመሊስና፡ ሊቃውንቲ ወንጌል ፈትፊቶም ዝምግቡ እንዳሃለዉ፡ምድራውያን ሰበኽቲ ፖሎቲካ ካብ መረጽና፡እወ ካብ ኣበና ደኣ ንሱ ድማ ከም ምርጫኹም ግበሩ፡ኢሉ ኣሕሊፉ ንዝረግም ኣፍን፡ልብን ይህበና። (ሮሜ1፣26) 

እምበኣር ምርጋምሲ ብልሳንካ ጥራይ ኣይኮነን፡ብልብኻውን ይርገም ኢዩ።ምሕማይ ከንፈርካ እናረምጠጥካ ጥራይ ኣይኮነን፡እንተላይ ልቢውን ትሓሚ ኢያ።እረ ኩሉ ሰናይ ኮነ ጽቡቕ ምንጩ ካብ ልቢ ኢዩ ዝፍልፍል።እግዚአብሔር ድማ፡ብደጌኻ እንታይ መሲልካ ዘይኮነስ ርክቡ ምስ ልቢ ኢዩ።

ቅድሚ ንዑኡዶ ንኻልእ ምምራጽና፡ቅድሚ ረገምቲ ምዃንና፡ወይውን ድሕሪ ረገምቲ ምኻንና፡ኩሉ-ምሉ ዝሕሸና ንሱ ኢዩ ዝፈልጥ።ድሕሪ ምውዳቕና ግን መታን ክንትስእ ኢሉ፡ ዝሕሸና ዳግመግምት መታን ክንገብረሉ ኢሉ ብውሕሉል ወንጌሉ ጌሩ ይምህረና።ኣንቱም ሰባት ቅጽዓት እግዚአብሔር ትምህርቲ ኢዩሞ ኣይነምርሮ፡ወይ ውን ብኻልእ ኣይነቕንኣዮ።ኩሉ ንዓና ኢሉ ዝህበና ዝጠቕመና እምበር ንዓና ዝጎድእ ካብ እግዚአብሔር ከቶ ከምዘይፍኖ ኩሉ ክፈልጦ ዘለዎ ሓቂ ኢዩ።ተዘይምህረናኸ እንታይ ምገበርና፡ግብረሶዶም ኣብ ኣእምሮና፡"ኖርማል'ዩ) ንኸይንብል ደጊፍና ዘሎኮ ስለዘይገደፈና ኢዩ።እምበር ፈጺሙ ተዝሓድገናስ፡ካብዚ ዘለናዮ ፈጺምና ምበኣስና።እወ ብርግጽ ተዘይተመሊስና፡ህልውናና ዝበኣሰ ዝኾነሉ ራሕቂ፡ንዮ ርሑቕ ኣይኮነን። ሰብ ጥብሕ ጥብሕ ኣቢልካ ናይ ምምብላዕ ዝጅመረሉ ግዜ ርሑቕ ዝኾውን ኣይመስልን።ኣካይዳና ከነዕሪ፡ናብ እግዚአብሔር ንመለስ።
ፈጣሪ ናብቲ ንሱ ዝደለዮ ሕይወት ክርስትና ክነቓልብ ልቦናና ክንከፍት ሓይሉ ይልኣኸልና።

ሎቱ-ስብሐት!

በቲ post ዝገበርካዮ መን ምኻንኻ ተኸሻሕካ፣

በስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን፡
በቲ post ዝገበርካዮ መን ምኻንኻ ፈለጥኩ፡
ኣብዚ ዘለናዮ ዘመነ ቴክኖሎጂ፡ሰብ ንሓንቲ መልእኽቲ ንምብጻሕ ቀደም ዘመን ብእግሩ፡ብምኻድ ዘበጻጽሕ ዝነበረ፡ሕጂ ብሓንቲ ሰከንድ ዝጸሓፍካዮ ደብዳበ ብዘመናዊ መሳርሒ እንክበጽሕ፡ናይቲ ዝጽሓፍካዮ ወይ ዝለኣኽካዮ መልእኽቲ ድማ እቲ ተቐባሊ ደብዳበ፡ዘለዎ ርሕቀት ብኣሽሓት ሚሊዮናት ኪሎሜተር ርሒቑ ዋላ እንተሃለወ፡ናይዛ ደብዳቤኻ ተማቓሊ ንምኻን ግን ክሳብ ኣብ ኢዱ ዝርከባ ዳርባ እምኒ እካ ኣይከድን።ኣብ ኮፍ መበሊኡ ተኾይጡ እናሃለወ፡እታ ሞባይል ደ
ብዳበ መጺካ ኣሎ፡ንኽትብል ምልክት ትገብረሉ።
ኣብ ዓድና ሓዘን እንተጋጢሙ፡ነዚ ሓዘንዚ ተማቐልቲ ኩኑ ንምባል ደብዳበ ኣይኮነን ዝጽሓፍ ነይሩ።እካድኣ ንፉዓት መእወይቲ፡ንዓዲ ምልእቲ ክንቕንቅ ዝኽእል ድምጺ ዝውንኑ እግሮም ውን ነዊሕ ጉዕዞ ከይደን ዘይርብርባ የእጋር ዘለወኦም ሰባት ተሓሪዮም ኢዮም ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ እናኸዱ ዘእውዮ ነይሮም።ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ተለዊጡ፡ማስሜድያ ንብስራት ይኹን ንመርድእ ናይ ክልቲኡ ተውለ ኮይኑ ይዓዪ ኣሎ።
ቅዱሳን መንፈሳዊ መልእኽቶም ንምጽሓፍ ዝሓልፍዎ ዝነበሩ መንፈሳዊ ተጋድሎ፡በዛ ዝጽሕፈላ ዘለኹ ቅንጣብ ሞባይ ገይረ ክገልጾ ኣይክኣልኩን።ግን ቀለም በጽቢጾም ከም ብርዒ፡ቆርቦት ኣልፊዖም ከም ወረቐት፡ንቅዱሳን መጽሓፍቲ ምሉእ ይጽሕፉ ነይሮም እንተኢለኩም ዘይክትኣምኑኒ ትኽእሉ ኢኹም።ግን ናብ ገዳሞም ኪዱሞ ኣሰሮም ክሳብ ሕጂ ከይሃሰሰ ክትረኽብዎ ኢኹም።ሎም ሓደ ሰብ መንፈሳውነቱ ንኽገልጽ፡ዝጥቀመሉ ዓይነት ኣጸሓሕፋን፡ኣሳድዳ ደብዳበን ግን ኣዝዩ ዝተፈለየ ኢዩ።ቁርን ሃሩርን ከይህረም ሳሎን ከም በዓቲ፡ብቀለምን ቆርበትን ከይላዲ ከይልኪ ድማ፡ጽሒፍካላ ወረቐታ ዘይዳእ ኮምፒዩተር ሒዙ ይጽሕፍ እሞ፡ንዓባ ተላኣኸኒ፡ኣብጽሓለይ ዘየብላ send ምስ በላ ብሓቲ ረምታ posted ትብሎ።
ኦ እግዚኣብሄር ኣዝዩ ዝፈትወኩም ወገናት፡በዚ ሎሚ ንገብሮ post መንነትና ይኽሻሕ ኢዩ። ብዙሕ ግዜ ኣብ facebook ሰብ add ይብሉኒሞ፡መን ክብል ኢለ ክሓቶም እንከለኹ፡በቲ ዝሰደድካዮ ስለዝተሳሕብኩ ኢየ add ዝበልኩኻምበር ኣይፈልጠካን ኢየ፡ዝበሉኒ ብዙሓት ኣጋጢሞምኒ ኣሎዉ፡ገሊኦም ድማ በቲ ዝረኣይዎ ተቖጢዖም "ድሕሪዛ ሕጂሞ ከምኣ ግበር ኢኻ፡block ክገብረካ ኢየ እናተባሃሃሉ ንሓድሕዶም ብናይ ምፍርራሕ እምኒ ክሰናደዉ፡ነዘን የእማን እዚኤን ኣብ commet በጨቕ ኢለን ይረኣያ ኢየን።ኣብ ገለ ኣጋጣሚታትውን፡ገጾም ብሓዘን ከሰል መሲሉ እንክረአ ናይ መልቀስ ግምጃ ለቢሶም፡የልቅስ ኣሎኹሞ ኣላቑሱኒ ንኽብሉ ጸሊም ካባ ገይሮም profile ጥፍዕ የብልዎሞ፡እቲ ኣብ ርሑቕ ዓዲ ሰፊሩ ዘሎ ወገን፡ነዚ ርእዩ መልቀስነቱ ንኽገልጽ R,P ኢሉ ይጽሕፍ።ኣልቂሱ ድዩ ኣየልቀሰን፡አይ አይ ኢሉ ድዩ ኣይበለን ግን እግዚኣብሄር ዋንኡ።ኣብ ካልእ ዓውዲ ድማ ኣብ ኣእሙራዊ ስነኪናት ተመኩሮ ዝወሰዱ ዝመስሉ፡ኣብዚ ክስቶ ዝብሃል ዓዲ ከምዚ ኮይኑ፡ሃገረ ክስቶ ከምዚ ገይራ፡መንግስቲ እገለ ከምዚ ገይሩ ዝብል ወረ ንግሆ ንግሆ መመጽኡ ይረኣየናሞ፡ልብና ነዚ ርእያ ውላዳ ከምዝጠፈአ ሰበይቲ ከብድና ብፍርሒ ይሕቆን።
ኣብዚ ስነ ሞገተ ዘለዎ ዓውደ መራኸቢ ብዙሓን፡ኣብ facebook፡ኣብ viber፡ኣብ wasap፡ኣብ imo,ወዘተ እንሰዶም ደብዳቤታት እንታዎት ምኻንና ንመን ከምንመስል፡ዝነግሩ ንምስልና ቁልጭ ኣቢሎም ንምሉእ ዓለም ዝነግሩ መስቲያት ምኻኑ ብሩህ ኢዩ። ስእሊ post ምስተባህለ "እዋእ ወዲ ኣገለሲ ክንድምንታይ ኢዩንታ ኮይኑ፡ክላእ እዛ ጋልዚኣ ከኣ ምስ ክንደይ ኣወዳት ኢያ ወደይ ክትስኣል፡ኣቤት ጥራሕ ዝባና፡ሓለፍና ክብላስ ሞጎጎ ይዓጥና ኮይኑ፡እዚኣስ ሕጂ ሕጂ መጺኣስ ድሮ ናይ ዓዳ ሓመድ እካ ዘይነገፈትሲ ኣብዚ መጺኣ ጥራሓ ክትሰኣል፡እነሆለ እቲ ኣብ ዓዳ ዝነበረ ጭውነታ ኣፍ ኣውጺኡ ጭዋ ጋል ጭዋታት ምኻና እንዳመስከረስ፡ነዚ ክትቃወም እንክትብል ብባርነት ሓጥያት ዝተኣሰርኩ፡ንሓጥያት ዝተሸጥኩ ኢየ ኢላ ሕፍረታ ቀሊዓ ብስእሊ ከተርእየና፡" እንዳበልካ እተማርረሉ፡ምስሊ እታ ሰብ መን ምኻና በቲ post ዝገበረቶ ስለዝገምገምካ ኢዩ።ብኻልእ መዳይውን ኣይ "እዚኸኣ እዝኑ ተሰቒሩ፡ስሪኡ ማዓኮሩ እንዳተራኣየ፡ሽጋራ ኣብ ኢዱ ጨቢጡስ ንመን ክመስል ስለዝደለየ ኢዩ፡ኣብ ዓዱ ደኣ ከምኣ ዘይገብር ዝነበረ፡ወይዚ መዋረዲ ስድሩኡን ሃገሩን እባ ኣዋሪዱ፡ኣዋሪዱና!" ኢላ ልብና ቅሬታኣ እትገልጸሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ። ስለምንታይ ኢዩ እንተ ኢልና፡እቲ post ዝተባህለ ምስሊ ልቢ ናይቲ ሰብ ዓው ኢሉ ስለዝዶርጉሓልና ኢዩ።
ወገናተይ፡መቸም ጽቡቓት፡ዉርዙያት፡ለባማት ተባሂልኩም ብኣምላኽ መታን ክትነኣዱ እምበር፡ብሰባት መታን ክትውደሱ ኢልኩም ከምዘይትገብሩ ግምት ኣሎኒ።የግዳስ እቲ post እንገብሮ ኣብ ምሉእ ዓለም ተዘርጊሑ ብዛዕባና ዘውሪ ዓቢ ድምጺ ምኻኑ ክንፈልጥ ኣሎና።post ዝገበርናዮ ሕማቕ እንተኾይኑ ቀዳሞት ተነቀፍቲ ንሕና ኢና፡post ዝገበርና ሰናይ ተኾይኑውን ቀዳሞት ተነኣድቲ ንሕና ኢና።ነዚ ቅሬታ ተሰሚዑ ነቐፌትኡ ዝዱርጉሕ ድማ ቀዳማ ምይ መን ኢዩ፧ ኢልና እንተሓሲብና፡ሰብ ኣይኮነን።ብዝገበርናዮ ሰናይ post ኣገናዕ፡ከመይ ዝበለ ደስ ዝብለካ ሰብ ኢዩ ወደይ፥ኢሉ ዝንእደናውን ሰብ ኣይኮነን።ሰብ post ምስ ገበርናዮ፡እሞድማ ምስ ኣምበቦ ወይ ምስረኣዪ ኢዩ፡ዝንእድን ዝነቅፍን እምበር post ከይገበርናዮ ክፈልጦ ኣይክእልን።ገና post ከይበልናዮ ኣብ ልብና ጽሒፍናዮ ዝጸናሕና፡ገና ናብ ዓለም ከይተዘርግሐ እንከሎ፡እረ ገና ኣብ facebook login ከይበልና እንከለና እንታይ post ክንገብር ምኻንና ኣምቢቦ ዝፈልጥ ግን እግዚኣብሄር ኢዩ።ስለዚ በቲ ገና ክንገብሮ ዝሓሰብና ክፉእን ንሰባት ቅሬታ ዘስምዕን፡ገና በገንኡ እግዚኣብሄር ይሓዝን።በቲ ክንሰዶ ዝሓሰብና ሰናይ ነገርውን ገና ከይሰደድናዮ እንከለና ኣገናዕ እንዳበለ ይሕጎሰልና።
ክብሪ ምስጋና ንዑኡ ይኹን።እሞ ወገናት ምስልና ርእዩ እግዚኣብሄር በቲ ክንገብሮ ዝሓሰብና ከይነቕፈና ዘንቅፍን ንሕልና ዘነውርን ደብዳበ post ኣይንግበር።በቲ ዝገበርናዮ ርእዮም ሰባት ኣብ comment ናይ ምርጋም እምኒ ከይስንድውልናውን እንገብሮ ኩሉ ንጠንቐቕሉ።
ስብሀት ለእግዚኣብሄር ሰብሀት ለማርያም ኣመ ኣምላክ፡ስብሀት ለቅዱስ መስቀሉ ኣሜን።

lørdag 25. mars 2017

መልሲ ንስእሊ ሥላሴ ዝቐዱን ዝቃወሙን!

በስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን፡
መልሲ ንስእሊ ሥላሴ ዝቐዱን ዝቃወሙን!
ሕቶ፦ ኣንቱም ስላሴ እትብሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስሲ " ስላሴ" ትብል ቃል እስከ ኣበይ ኣላ ንገሩኒ፧
=ኣንቱም እትሓቱና ስለሕቶኹም መንፈሳዊ ደስታ እንዳተሰማዓና ኢዩ።ንሕና ከኣ ክንሓተኩም፡ሥላሴ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ፧ ምላልባሽ ትርጉማ ስለዘይፈለጥኩማ እምበር፡መጽሓፍ ቅዱስሲ ጅምር ከብል ካብ ኦሪት ዘፍጥረ 1፥1----- ክሳብ ራእይ ዘሎ ብዛዕባ ሥላሴ ኢዩ ዝምህር።እስከ ኣስተንቲንኩም ሕሰቡሞ፡ሥላሴ እንታይ ዝብል ትርጉም መጺልኩም፡ግደፍዎሞ ብኻልእ ቋንቋ፡በታ ንስኻትኩም ትፈልጥዋ ቋንቋ ሥላሴ ማለት እንታይ ዝብል ትርጉም ዝሓዘ ኢዩ፧ ኣስተውዕሉ ብቃንቃኹም ኢየ ዝብል ዘለኹ።
ሥላሴ ማለት ሰለስተ ማለት ጥራይ ኣይኮነን።ወይውን ሥላሴ ማለት ሓደ ማለት ጥራይውን ኣይኮነን።ሥላሴ ማለት ቃሉ ናይ ግእዝ ቃል ኮይኑ፡ናብ ትግርኛ እንተቐይርናዮ፡"ሰለስትነት" ማለት ኢዩ።ኣምሓርኛ "ሶስትነት" ይብሎ ዓረበኛ "ኣተስሊስ ወ ኣተውሒድ" ይብል። Eglish "Trinly and Unity" ይብሎ።ሰለስትነት ክበሃል እንከሎ ዘየቃርጽ ሰለስትነት ኢዩ።
ትንተና፥-
ሓደን ሰለስተን ማለት ኢዩ።እግዚኣብሄር ሓደ ጥራይ ኣይኮነን፡ሰለስተ ጥራይ ከኣ ኣይኮነን።እግዚኣብሄር ሓደን ሰለስተን ኢዩ።ሓደ እንተኢልና ግድን ሰለስተ ምባል ከድሊ ኢዩ፡ሰለስተ እንተኢልና ድማ ግድን ሓደ ምባል ከድሊ ኢዪ።ስልጣኑ፡መለኮቱ፡ርቀቱ፡ሓያልነቱ፡ፈጣርነቱ፡ዙፋኑ፡ባህሪኡ፡ሂዎቱ፡እስትንፋሱ፡ቃሉ ሓደ ኢዩ።ኣካሉ፡ግብሩ ስሙ ድማ ሰለስት ኢዩ።

ኣስተውዕሉ፦ ነዛ ዓለም፡ዝፈጠራን ከሕልፋ ዝመጽእን፡ሓደ ስልጣን ዘለዎ ሰለስተ ኣካላት ዝውንን ኢዩ።ንኣብነት ሰብ ብዙሓት ኣካላት ኣለዉዎ፡ኢድ፡እግሪ፡እዝኒ፡ኣፍንጫ፡ዓይኒ ወዘተ፡በዚኦም ገይሩ ዝተፋላለየ ንጥፈታቱ ይሰርሕ።ግን ክንደይ ሰብ ኢዩ እንተኢልና ሓደ ሰብ፡ብዙሓት ኣካላት ዘለዉዎ ሓደ ኢዪ።እግዚኣብሄር ድማ ስልጣኑ ሓደ ክንሱ ብዙሓት ኣካላት ዝውንን ኢዩ፡ብዝሒ ኣካሉ 2 ኣይኮነን፡4 ድማ ኣይኮነን ሰለስተ እምበር።
ዘፍ1፥1 እግዚኣብሄር ሰማያትን ምድርን ፈጠረ ይብል።ኣስተውዕል፡ብቋንቋ እብራይጥ ነታ እግዚኣብሄር ትብል ቃል "ኤሎሂም" ይብላ።እዚ ንብዙሕ ቁጽሪ ዝገልጽ ኢዩ "ኤል" ኣምላኽ ማለት ኮይኑ ንንጽል ቁጽሪ ይገልጽ።ኣግኣዝያን ሊቃውንቲ ኣቦታት ድማ" እግዚ --ኣብ ---ሄር ኢሎም ተርጊሞምልና፡ተመስገን ብሓቂ።ኣዝዩ ዘገርም'ዩ፡ እዚኣ ሓንቲ ቃል ትመስል ክንሳ ሰለስተ ስም ሰለስተ ኣካል ኣሎዋ፡እንተኾነ "ፈጠረ" ብዝብል፡ቃል ድማ ፈጣርነቱ፡ስልጣኑ ሓደ ምኻኑ ይገልጽ ኣሎ።
ስለዚ ስሞም "ኣብ፡ወልድ መንፈስ ቅዱስ" ይበሃሉ።ነዛ ቃል ኣዚኣ ሰለስተ ጥራይ ክትበሃል ኣይትከኣልን፡ሓደ ጥራይ ከኣ ክትበሃል ኣይከኣልን።ሓደን ሰለስተን።
(ቀሌመንጦስ6፣13 )
" ካብና ቀዳማይን ካልኣይን ተባሂሉ ዝጽዋዕ የለን።ኣብን ወልድን መንፈስቅዱስን ህልውናና፡ዕድሜና፡ፈጣርነትና ስልጣንና ሓደ ኢዩ።እቲ ሓደ ሓያል እቲ ሓደ ድኹም፡እቲ ሓደ ቀዳማይ እቲ ድማ ዳሕረዋይ ተባሂሉ ዝንገረሉ የብልናን።" ኢሉ ጎይታ ንቅዱስ ጴጥሮስ ይምህሮ።
ቀጺሉ ኣብ ቁጽሪ 18-- ምሳሌታት ብምሃብ ከረድኦ ይፍትን፡ኣብ ልቢ ኢዩ፡ኣነ ቃል ኢየ፡መንፈስ ቅዱስ ድማ ሂዎት ኢዩ።" ይብል፡ልቢ ይሓስብሞ ቃል ንክንገር እስትንፋስ ድማ ንኽወጽእ( ንክሰርጽ) ይገብር ማለት ኢዩ።ስለዚ ቃል ካብ ልቢ፡እስትንፋውን፡ካብ ልቢ ኢዩ።ኣብ ወላድን ኣጽራጽን ኢዩ።ቃል ይፍኖ እምበር ኣይሰርጽን፡ይውለድ ማለት ኢዩ።ወልድ ቃል ኢዩ ተወላዲ ንብሎ።እስትንፋስ ይወጽእ ወይ ይሰርጽ እምበር፡ኣይውለድን፡ንሓደ ሰብ እስትንፋሱ ወጺኣ ኢኻ ትብሎም እምበር፡እስትንፋሱ ተወሊዳ ኣይትብልን።ወይውን በንጻሩ፡ካብ ሞት ዝተንሰአ ሰብ እስትንፋሱ ሰሪጻ፡ትብል እምበር እስትንፋሱ ተፈንያ ወይ ተወሊዳ ኣይትብልን።መንፈስ ቅዱስ ካብ ኣብ ዝወጽእ ዝሰርጽ ብምኻኑ " ሰራጺ" ንብሎ።
ቀጺሉ ድማ" ኣብ ማይ ኢዩ፡ኣነ ጠሊ ኢየ፡መንፈስ ቅዱስ ድማ ማዕበል ኢዩ።" ይብል።ማይ ሰፊሕ ኢዩ፡ኣብ ብማይ ይምሰል፡ጠሊውን ሰፊሕ ኢዩ ካብቲ ማይ ኣይፍለይን ኢዩ፡እንተኾነ ኣብ ባሕሪ ምስ ኣተኻ ምሳኻ ዝወጽእ እቲ ባሕሪ ብምልኡ ኣይኮነን፡እቲ ማዕበልውን ኣይኮነን፡እቲ ጠሊ ኢዩ።ካብዞም ሰለስተ ኣካላት ናይ ሥላሴ ስጋ ሰብ ለቢሱ ዝተራእየ ድማ ወልድ ኢዩ ፡ስለዚ ወልድ ብጠሊ ተመሰለ።መንፈስ ቅዱስ ድማ ብማዕበል ይምሰል፡ነቲ ባሕሪ እስትንፋስ ከምዘለዎ ህያው ነገር ኮይኑ ዘንቀሳቕሶ፡እቲ ጠሊ ኣይኮነን፡እቲ ስፍሓት ናይቲ ባሕሪውን ኣይኮነን።እቲ ማዕበል እምበር።ክንድቲ ስፍሓቱ ማዕበሉ ከኣ ኣብኡ ህሉው ኢዩ፡ክንድቲ ህልውና ኣብን ወልድን ድማ መንፈስ ቅዱስ ኣብኦም ህሉው ኢዩ።

መልሲ ናይቶም ስእሊ ስላሴ ዝቐዱ፦
ኣንቱም ሥላሴ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ የለን ኢልኩም እትካትዑ፡ሰለስትነት የለን ማለትኩምዶ ኣይኮነን! እወ ኣብን፡ወልድን፡መንፈስ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ የለን ማለትኩምዶ ኣይኮነን! በሉ ኣሽንካይዶ መጽሓፍ ቅዱስ ብቋንቋና ዝዛረብሲ፡ልሳን ዘይብሎም ግኡዛን ፍጥረታትካ ብዛዕባ ሥላሴ ምሳሌ ገይሮም ይምህሩና ኣሎዉ።ንስኻ ኣንታ ትርጉም ሥላሴ ምርዳእ ዝኣበየካ፡ሰለስተ ኢኻ፡ሓደ ድማ ኢኻ፡ ዝሓስብ ልቢ ኣሎካ፡ዝዛረብ ቃል ኣሎካ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ከንቀሳቕሰካ ዝኽእል እስትንፋስ(ሂዎትነት) ድማ ኣሎካ።ሰባት ክጽውዕካ እንለለዉ ግን "ኣንቱም ሰባት"ኢሎም ዘይኮኑስ " ኣንታ ሰብ" ኢሎም ኢዮም ዝጽውዑኻ።እግዚኣብሄር መልክዑ ማለት ሰለስትነቱን ሓድነቱን ንምርድኡ መታን፡ከይርሕቀካ፡  ጥበቡ ኣባኻ ኣብ ውሽጥኻ ገለጾ።"ኩሉ ብዛዕባ ሥላሴ ዝብሃል ትምህቲ በጺሐዮ ኢየ፡ስላሴ ክንድዚ ይኾውን" ኢልካ መታን ከይትዕበ ድማ ካብ ኣምሮኻ ንላዕሊ ኮይኑ ይነብር።ምእንታካ ዘይኮነስ ባህሪ ሥላሴ ንዘልኣለም ከምኡ ስለዝኾነ ምእቲ ብህሪኡ ኢዩ ከምኡ ዝነብር።ብርቀቱ ካብ ኣምሮ ንላዕሊ፡ንዝኣምንን ብትኽክል ንዝሓስብን ሰብ ድማ ንምርድኡ ኣዝዩ ቀረባ እረ ኣብ ልቢ ዝርከብ'ዩ እግዚአብሔር!!!
ኣንቱም ስእሊ ስላሴ ባህላዊ ኢዪ ኢልኩም ትሰብኩ ስምዑስከ፦
ነዚ ሥሉስ ቅዱስ እዚ ብሰለስልተ ሽማግለታት ገይርና ተሳኣልናኢዮም፡ኣረገውቲ ዝቖንቆኑ ኢዮም፡ክንብል ስለዝደለና ኣይኮነን።ዕድሜኦም ካብ ኩሉ ዝዓበየ እረ ዕድመ ህልውነኦምሲ ልዕሊ ኣእምሮ ምኻኑ ንኽንነግር ኢልና ኢና።ንስኻውን ኣንታ ወገነይ፡  "ወልድ ኣይሸየበን፡መንፈስ ቅዱስ ሰብ ኣይኮነንሞ፡ከመይ ኢልኩም ብሰለስተ ሽማግለ ትስእልዎም፧ " ትብል ትህሉ ኢኻ። ወይለከይ! ኣቦኸ ሸይቡ ድዩ፧ ስጋ ሰብ ለቢሱ ድዩኸ ንዘልኣለም ዝነብር ዘሎ፧ ኣይኮነን!!! ሥላሴ ዕድሜኦም ተቐዳምን ተኸታልን የብሎምን።ወልድ ስጋ ይልበስ እምበር ህልውንኡ ካብ ኣቦ ኣይንእስ፡ካብ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ኣይዓብን።

ማቴ3፥16-17 ተጻሒፉ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ርግቢት ኢዩ ንምባል ኣይኮነን፡ወይውን ኣካሉ ካብ ኣብን ወልድን ይንእስ ንኽብል ኣይኮነን።ኣቦ ኣብ ሰማያት ኮይኑ ድምጹ ዘስምዐ ድማ፡እግዚኣብሔር ኣቦ ሰማያት ኢዩ ማለት ኣይኮነን።ሰማያትስ ፍትምጥረት ኢዩ፡ርግቢት ውን ፍጥረት ኢያ፡ስጋ ሰብ ውን ፍጥረት ኢዩ።እግዚኣብሄር ግን ብዝርደኣና ቋንቋ ገይሩ ሓድነቱን ሰለስትነቱ ገለጸልና።ሰለስቲኦም ኣካላት ረቀቕቲ ኢዮም፡ወልድ ግን ስጋ ሰብ ለበሰ።ስጋ ሰብ ለቢሱ ክበሃል እንከሎ ኣዝዩ ብኣእምሮ ክትንተን ዘይከኣል ብምስጢረ ተዋህዶ ኢዩ።ናይ ፍጥረት ስጋኳ እንተወሰደ ብተዋህዶ ከቢሩን ጸኒዑን ንዘልኣለም ይነብር ምህላዉ ግን ክርሳዕ ዘየብሉ'ዩ።ስለዚ ወልድ ቤተሰብና ኮይኑ ማለት'ዩ፡እዚ እንተኢልና ድማ ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ብህልውና ሓደ ስለዝኾኑ ስላሴ ቀረባ ዘመድና፡ኣፍቀርትና፡መድሓኒትና፡ፈጠርትና ማለትና ኢና።

ስለዚ ሰለስተ ሽማግለ፡ኣብ ሓደ ወምበር ይሰኣሉ።ወምበር ናይ ዙፋኖም ምሳሌ ኢዩ፡ሰለስተ ድማ ናይ ሰለስተ ኣካላቶም ምሳሌ ኢዪ።ሓዲኦም ጸዋግ፡ሓዲኦም ፍሽኽተኛ ሓዲኦም፡ድማ ሕዙን ገይርና ኣይኮነናን ንስእሎም፡ብሩህ ፍሕሹው ገጽ ዘለዎም ኣብ ኣጠማምትኦምን ገጾምንሲ ፍጹም፡ፍልልይ ዘይብሎም ገይና ደኣ ንስእል።እዚ ናይ ባህሪኦም፡ምሳሌ ኢዩ።ስላሴ ብባህሪ ሓደ ኢዮም ንምባል ኢዩ።ጻዕዳ ጸጉሪ ዘሎዎም ገይርና ድማ ንስእሎም እምበር ሓዴኦም፡ሼያብ፡ሓዴኦም ጀብጀብ ሓዴኦም ድማ በራሕ ገይርና ኣይንስእልን።ሰለስቲኦም ጻዕዳ ከም፡ጸምር ዝመስል፡ጸግሪ ዘለዎም ገይርና እምበር ንስእል።እዚ ከኣ ናይ ንጽህነኦም ባህሪ ሓደ ምኻኑ ንምግላጽ ኢዪ።

ስእሊ ሥላሴ ክንምልከት እንከለና፡ተመሲጥካ ምስ ቅዱሳን መላኣክት፡ከምቶም 4 ኩሩቤኤል ተሰከሞም ዘለዉ፡ኣብ ግዜ ጸሎትካ ውን ተሰኪሞሞም ኢዮም ናባኻ ዝመጹካ።መቸም ንሥላሴ ክጸሮም ዝኽእል ፍጡር ከምዘየለ ፍሉጥ ኢዩ። ኣብ መጽሓፈ ቀለሜንጦስ 6፥16 ውን "ንዓና ንሥላሴ ክስከመና ዝኽእል ሰማያት ይኹን ምድሪ የለን ይብል።"ኣብዚ ስእሊ ሥላሴ 4 ኩሩቤኤል ዝበሃሉ መላእክት ዝጸርዎም ገይርና ንስእሎ፡ልኽዕ ከምቲ ጫማና ንዓና ዝስከመና ማለት ኢዩ።እስከ ንገሩኒ ጫማና ድዩ ዝስከመና ወይስ ንሕና ኢና ንጸሮ፧
ብትኽክል ንጫማና ንእዝዞ ንሕና ኢና፡ባዕልና ንሰርሖ፡ንሱ መታን ክኸብር ድማ ኣብ እግርና ንክደኖ እምበር ካባና ንላዕሊ ክብሪ ሃሊይዎስ ንዓና ንምስካም ዝበቐዐ ኣይኮነን፡ባዕልና ኢና ነኽብሮ። ምስ ጸረና ይጸሪ፡ምስ ረገጽና፡ይረግጽ፡እንተውጺናዮ ድማ እምቢ ኣይወጽእን ኢሉ ንኸይእዘዝ ኣይሕንግድን።
እወ!
ሥላሴ ድማ ንቁዱሳን ኪሩቤል መታን ከኽብርዎም ካብ ቅድስነኦም ቅድስና፡ካብ ክብሮም ድማ ክብሪ ንኽማቐሉ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ይውጥሑ።ከምኡ ገይርና ድማ፡ንስእሎም።ሓደራኹም ኣብ ቅድሚ ስእሊ ሥላሴ ኮይንኩም ክትጽልዩ እንከለኹም፡ሕልናኹም ምስ ኪሩቤኤል ቃንይዎምሞ፡ሥላሴ ኣብ ሕልናኹም ክውጥሑ ኢዮም።ሽዑኡ ሕልናኹም ክቕደስን ክቐስንን ኢዩ።
ነቦና ኣብርሃም ዝተገልጹ ስላሴ ንዓና ድማ ምእንቲ ቅዱስ ኣብርሃም ኢሎም ምሕረቶምን ቸርነቶምን ኣይፈለየና።ኣሜን!!!
ስብሐት ልቅድስተ ሥላሴ፡ 
ወበስመ ሥላሴ ይቀጥቀጥ ከይሲ። ኣሜን!
ሕቱም-መጽሓፍ

torsdag 23. mars 2017

ቅድስና ኣብ መላእ ዓለም ክትሥበኽ ደሊኻያ ኢኻሞ፣ምዕራፍ ሓደ በየን ትጀመር፧



ስለሰብዶ ትጽሊ ኣሎኻ፣ስለሰብ ትምህር፧ንሰብ ጽቡቕ ምግባርዶ ትምህሮ ኣሎኻ ወይሲ ነቲ ንስኻ እትምህሮ መንፈሳዊ መልእኽቲ:ንምቕባል ዓቕሚ ካብ እግዚኣብሄር ንኪወሃብ ትጽልየሉ ኣሎኻ፧ ኣንታ ክቡር መምህር፣ንሰብ ስለእግዚብሄርዶ ትምህሮ ኣሎኻ: ዋላስ ኣቐዲምካ ንእግዚኣብሄር ስለቶም ንስኻ ትነግሮም ሰባት ብጸሎት ትነግሮ ኣሎኻ፧ንእግዚብሄር ስለሰባት ብጾሎት ምሕታትን፣ንሰባት ስለእግዚኣብሄር ምስትምሃርን ቅደም ተኸተል ዘድልዮ ነገር ኢዩ።ነቲ ሰብ ብዛዕባ ቅድስና ቅድሚ ምንጋርካ፣ነቲ ቅዱስ ኬድካ ቅድስቲ ልቢ ንኽቲህሉ ብጸሎት ለምኖ።ምኽኒያቱ ቅድስት ልቢ ከይተረኽበት ቅዱስ ቃል ክዝራእ ኣይከኣልን ኢዩ።ብዘይ ቅዱስ ልቢ ዝዝራ ቅዱስ ቃል፣ልምላሜ ናብ ዘይብሉ ግራት ከምዝዝራእ ዘርኢ ኢዩ።እሞ ፍረ ዘለዎ መንፈሳዊ ምህርቲ መታን ክሕፈስ፣ነታ ክትነግራ ዝደለኻ ልቢ መታን ከለምልማ፣ብእምነት ከጽንዓ ንኣምላኽካ ብጸሎት ንገሮ።ንሱ ድለ ክትረክብ፣ኳሕኲሕ ክራሓወልካ ዝብል እሙን ቃል ኪዳን ኣሎዎሞ፣ቅድሚ ቃሉ ምዝራእካ እታ ልቢ ንኽትስተኻኸል፣ነቲ ኣብኣ ዘሎ ሰይጣን ዝተኸሎ እሾኽ ብጸሎት መንቁሶ።
ደቂ ኦርቶዶስ ዝኾኑ ኣመንቲ ብዝተቐበልዎ መሪር 21 ሰማእትነት ናይ ሊብያ፣ኣብ ግብጺ ከቢድ ሓዘንን ሓጎስን ተደባሊቑ ነይሩ።እቲ ሓዘን ዝተባህለ፣ስጋ ለበስ ስለዝኾንና:ወገንካ ንዝኾነ ሰብ ብከቢድ ጭካነ ብካራ እሞ ድማ ኣብ ዓዲ ጓና ክሕረድ እንከሎ ከቢድ ኢዩ።እዚ ኢዩ ንህዝቢ ግብጺ ከቢድ ሓዘን ኮይንዎም ነይሩ፣ንህዝቢ ግብጺ ጥራይ ዘይኮነስ ንኹሉ ኣማኒ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ።ዋላ እቲ ሕልናዊ ሰብኣውነት ዚሓስብ ሰብ ውን ኩሉ ኣብ መላእ ዓለም ነዚ ኣብ ሊብያ ዘጋጥም ዝነበረን ዘሎን ሰማእትነት ፈጺሙ ሓዚኑ ውዒሉ።
በንጻሩ ድማ ዓበይቲ መንፈሳውያን ሰባት ተሓጊሶም ውዒሎም።ሓንቲ ወዳ ዝተሓረዳ ሰበይቲ፣ኢንተርቪዩ ምስ ገበሩላ ከምዚ ክትብል መሊሳ።
ጋዜጤኛ፣ ነዚ ንወድኽን ዚሓረደ ሰብሲ እንታይ ምበልክንኦ፧
እታ ኣደ ኣዝየ መመስገንክዎ።
ጋዜጤኛ፣ እዋእ እሂ ስለምንታይ፧

እታ ኣደ፣ ምኽኒያቱ ኣነ ኣደ ኮይነ ክሓዝን ይኽእል ኢየ፣ወደይ ግን ምስቶም ሰማእታት ኢዩ ተቖጺሩ።እዚ ሓራዳይ ጠቒምንኒ ምበር ኣይጎደኣንን።ንዓይ ኣደ ሰማእት ገይርኒ፣ንወደይ ድማ ምስቶም ሰማእታት ተቖጺሩ ዓቢ ክብሪ ከምዝለብስ ገይርዎ።ንዓይ ኣብ እምነተይ ማዕረ ክንደይ ክተግህ ከምዘለኒ ነብሰይ ንኽምርምር ገይርኒ፣ንወደይ ድማ ፍጹም ተባዕ ኮይኑ ክሳዱ ንኻራ ንክህብ ዘተባብዐ መንፈስ ቅዱስ፣እምነቱ ህያሃው ኮይና ኣብ ዓለም ከምዝሲበኽ ገይሩ።ስለዚ ነዚ ሓራዳይዚ የመስግኖ እምበር ኣይራገሞን፣ይጽልየሉ እምበር ኣይጸርፎን ኢየ።መን ኮይነ ኢየኸ ክጽልየሉ።እቲ ዝተሓርደ ወደይ ሰማእት ጸልዩሉ ኢዩሞ ኣነደኣ ተኸኣልኩ ስለድኻመይ ንኽጽሊ ገይርኒ ኢዩሞ፣ወደይ ኣብቲ ገማግም ባሕሪ እንዳተሓርደ: ሰማእትነት እንዳተቐበለ እንከሎ ዝጸለያ ጸሎት፣ነዚ ሓራዳይ ናብ ንሲሓ ቀስቂሳቶ ትኾውን።እንሆ እኳ ንዓይ ማዕረ ክንድዚ ነብሰይ ከምዝፍቲሽ ገይራትኒ።

ናብቲ እምባ ዝንጠቕ ክንደይ ተዓዲሉ!!!

በስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን
ናብዚ እምባ ዝደየባ ኣእጋርሲ ክንደይ ተዓዲለን፡እነገሊኡ ኣእጋር ኪናት ኽከፍት ናብ ኩርባ ይሓኩር ኣእጋርኩም ግን ናይ ቅድስና ዋና ንኽርእያ ሓኾረኦ።ናብዚ እምባዚ ዘንቃዕረራ የዒንትስ ክንደይ ይፈርያ ክንደይከ ይጽብቓ፡፡ኣብ ዓድና ንሓደ የዒንቱ ፍሩይ ተኾይኑ ንኽትጸርፎ ምስትደሊ "ፈራር ዓይኒ ብዕራይ" ትብሎ፡ክትውድሶ ምስትደሊ ድማ፡ብሩር ዓይኑ ዓይኒ ፍንጃል ኢልካ ትውድሶ። ንሓንቲ ጎርዞ ክትውድሳ እንተደሊኻውን፡ቁመታ ክሳድ ሰገን ዝመስል፡የዒንታ ናይ ሱፍ ዕምባባ" ብምባል ትውድሳ፡
ነዚ እምባዚ ሓኺረን ዝተመልከታ የዒንቲ ግን ከይትነቕፈን መሎኮት ርእየን ንዝዓገባ ብምንታየን ክንቀፋ፡ከይትንእደን ኣምላኸን ኮለ ገና ንኢዱወን ኢዩሞ፡እንታይ ዓይነት ናኣዳ ኢዩ ካባና ክወሃበን።ኣቤት ምስጢረ እግዚኣብሄር! ለካ ካብ የዒንቲሲ የዒንቲ ይመርጽ ኢዩ፡ካብ የእጋርውን የእጋር ይመርጽ ኢዩ።እግዚኣብሄር ዝዓደሎ የእጋር ናብዛ እምባዚ ኣንጊሁ ይግስግስ፡እግዚኣብሄር ዝጸልኣሉ የእጋር ድማ፡ናብ ርኽሰትን ናብ እንዳ ባርን ጋይላን ከይዱ የኹድድ።እግዚኣብሄር ዝባረኾ የዒንቲ ኣብ እምባ ደይቡ፡ናይ ዓለም ድኻማን ናይ እግዚኣብሄር ሓያልነትን ይርዳእ፡እግዚኣብሄር ዝጸልኣሉ የዒንቲ ድማ፡ርኽሰት ዘይረኣኹ ንኽብል ብሕልሚ ለይቲ ከይተረፈ ድቃስ ይስእን።
ኣንቱም ቅዱሳን ሃዋርያት እንታይ ሰሚዕኩም፡መን ኢዩከ እቲ ዝተዛረበ፡እቲ ንስኹም ዝፈራህክሞ፡ኣነውን ምሳኹም ኮይነ ብሕልናይ ይፈርህ ኣሎኹ።ኣሺንካይዶ እግዚኣብሄር ብግርማ ሞሎኮት ድምጹ ከስምዕሲ፡ሓንቲ ሰብ ዝሰርሓ ሞርታል፡ናይ ቶኽሲ ድምጺ ሰሚዐካ ልበይ ይመሉቕ።ቅዱሳን ሃዋርያት ተዓዲልኩም ዓዲልኩምና፡ሰሚዕኩም ኣስሚዕኩምና ኢኹም እሞ፡ነቲ ንዓኹም ዘስምዐ ኣምላኽ ነመስግን፡ንዓኹም ድማ ነኽብረኩም ኣሎና።
ለካ መንፈሳውነት ከምዚ'ዩ፡ሓደ እንተድኣ ብቅድስና በሊጽካ፡"ኣነኸደኣ ብምንታየይ ኢየ ደኺመ፡ነዚ ክርኢ ዘይበቕዓኹ፡ብርግጽ ሓጥእ ስለዝኾንኩ ኢየሞ፡እረ እግዚኣብሄር ብምሕረትካ መሓረኒ" ኢልካ ብድካምካ ምኣማን።ሃዋርያት ነቲ ን3 ዓመት ብዝትፈለለየ መንፈሳዊ ትምህርቲ ናይ ቅድስና ኮርስ ክህቦም ድሕሪ ምጽናሕ፡ሓደ ነቲ ሓደ ብቅድስና ቀዲሙ ካልኣይ ሳልሳይ ተባሂሎም ንኸይስርዑ፡ ናብ 2 ማለት ሓዲኦም ንጎይትኡ ዘትሕዝ ዩሁዳዊ ሕልና፡ሓዲኦም ድማ፡ክሳብ ሰማያት ተነጢቑ ክሳብ ዕጸ ሂዎት ንዘሎ ሕልና ሰብ ዘይበጽሖ፡ንምርኣይ ዝኸኣሉ ከም ዮውሃንሳዊ ቅድስና ዝወነኑ ንኸኮኑ ወትሩ ሂዎቶም ይምርምሩ ነይሮም።ክርስትና ካብ ቀዳማይ ክሳብ 10ይ ዘሎ ብሉጻ ተባሂሎም ዝሽለሙ ዋንጫ ዓለም ዘይኮነስ፡ኩሉኻ ቀዳማይ ወጺኻ ኩሉኻ ሰማያዊ ዋንጫ እትዓትረሉ ግጥም ኢዩ።
እወ! ገሊኦም "ኣደ ኣምላኽ ትኣክል ካብ ሰማያት ንኽትመጻናሞ፡የአሃንስ ዝረኣዮ ንሕና ከኣ ክንርኢ" ብማለት ቅዱስ ቅንኢ ሒዝዎም መታን ክብርትዑ ብጾም ሱባኤ ኣተዉ፡ንሳ እታ ቅድስቲ ኣደ ንሰማያት ምስ ዓረገት ድማ፡ኣብቲ ደመና ዝነብረሉ ስፍራ ሰማያት እንክትሓልፍ ቶማስ ዘሃዋርያ ነዚ ተኣምር ናይ ትንሳኤ ብዘይምርኣዩ ንነብሱ ፈጺሙ ፈንፈና፡"ጎይታይ ኣነ ሓጥእ ብኻነይ ድየ ነዚ ክልተ ትንሳኤ፡ናትካን ናይ ኣዴኻን ከይርኢ ዝኸልከለኒስ ብርግጽ ሓጥያተይ ኢዩሞ ኦ ጎይታ ተለመነኒ፡ዋላ ሱባኤ ክኾነኒ ካብዚ ዓንዲ ደመና ክጸድፍ!" ኢሉ ነቲ ብመንፈሳዊ ተጋድሎ ዘምጽኦ ክሳብ ብደመና ናይ ምጉዓዝ ጸጋ፡ንድሕሪት ገደፎ።ቅድስና ንዘለካ ይኣኽለኒ ኢዩ ኢልካ ንነብስኻ ምትዕሽሻው ዘይኮነስ፡ድኻምካ ንምፍላጥ ዝግበር ናይ ሕልና ቃልሲ ኢዩ።ቅዱስ ቶማስ ናይ ኣየር ትኬት ኣይከፈለ፡ፓስፖር ቪዛ ኣይሓተተ፡ኣብ ምድሪ ኮይኑ ብዝሰርሖ ናይ ቅድስና ተጋድሎ፡ክሳብ ብዘይክንፊ ንደመና ከም ጫማ ክጥቀመሉ ተፈቕደሉ።ነዚ ግን ንመንግስተ ሰማይ ከብጽሓኒ ኢዩ ኢሉ ንነብሱ ኣየተዓሻሸወን፡ነዚ ትንሳኤ ከርእየኒ ዘየኽኣለኒሲ ሓጥያተይ ክኾውን ኣሎዎሞ፡ጎይታይ ሓጥያተይ ንገረኒ በለ።ኣደ ኣምላኽ ግን " ኣጆኻ፡እዚ ንስኻ ትርእዮ ዘለኻ ሃዋርያት ኣይረኣይዎን!" በለቶ።ንምስክርውን መግነዛ ሃበቶ።
ኣቤት ሕልና፡እግዚኣብሄር ዝባረኾ ሕልና ስለሓጥያቱ የስተንትን፡እግዚኣብሄር ዝጸልኣሉ ሕልና ድማ ስለጅግንነቱ ከውሪ ይውዒል፡እግዚኣብሄር ዝዓደሉ ሕልና ባዶ ምንም ዘይብሉ ምኻኑ ይኣምን፡እግዚኣብሄር ዝጸላኣሉ ሕልና ግን ኩለን ዝገበረን ጽቡቕ ትሩፋት፡ከም ዝጠፈሸ ነጋዳይ ክጸባጸብ ጽሓይ ትዓርቦ።ናይ ሃዋርያት ሕልና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ዝያዳ በረኸት ተዋሂብዎ ክርእዩ እንከለዉ፡ብቐጥታ ዝሓስብዎ ሰይጣናዊ ቅንኢ ዘይኮነስ፡" ኣነ ነዚ ዘይበቕዓኽዎኮ እግዚኣብሄር መዳለዊ ስለዝኾነ ዘይኮነስ ብርግጽ ሓጥያት ስለዝፈጸምኩ ኢየ" ኢሎም ይሓስቡ።ሽዑኡ ብጾምን ብጾሎትን ሱባኤ ይኣትዉ፡ንኣምላኾም ኢሎም ዝጸሙን ዝጥመዩ ብጿኣን ኢዮም ኢሉ ዝመሃሮም ኣምላኽ፡ብዝገበርዎ ናይ ቅድስና ሱባኤ ብርእዮ የርእዮም።
ነዚ ዝገበረ እግዚኣብሄር ይመስገን።
በረኸት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣይፈለየና።
በረከተ ናይ ኣቦና ጻድቅ ኣቡነ ኣረጋዊ ይክፈለና፣ኣሜን፣፣
ወስብሀት ለስሉስ ቅዱስ።
ብምኽንያት በዓለ ደብረ ታቦርን በዓለ ፍልሰታን ዝተጻሕፈ መንፈሳዊ ጽሑፍ ኢዩ።

tirsdag 21. mars 2017

https://eritreantewahdo.org/?sermons=%E1%89%A4%E1%8B%9B%E1%8B%8A%E1%89%B5-%E1%88%93%E1%88%9D%E1%88%BB%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%8D%8B%E1%88%8D

በእንተ ኣጋንንቲ እስመ ይትናገሩ በበይናቲሆሙ፣በእንተ ቅዱስ ሚካኤ፣ኣጋንንቲ ብዛዕባ ቅዱስ ሚካኤል እንታይ በሉ?

ብስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።
ናይ ኣጋንንቲ ምስክርነት፦
" ብእዝነይ ብርቱዕ ድምጺ ይሰምዕ ኣሎኹ፡ቅድሚ ነዊሕ እዋን ዝፈልጦ ዝጥዕመኒ ድምጺ ኢዩ።ኣብ ዘመነ ስልጣንነትና ' ንስኻ ኣምላኽ ኣይኮንካን፡ከማና ፍጡር እምበር ፣ ከመይ ኢልካ ፈጣሪኹም ኢየ ትብለና'! ኢሉ ካብ ዝተቓወመና ዝመስል ድምጺ ሕጂውን ኩሉ ግዜ ንሰምዖ ኣሎና።ሰባት ስሙ እንክጽውዑ ሕልናና ይርበሽ፡ንሰባት ከነናውጽ ዝሓሰብናዮ፡እዚ ስምዚ ክጽዋዕ እንከሎ፡ምላልባሽ ውን ስም ፈጣሪ ኣብኡ ከይህሉ ኢኻ ትፈርህ።ውሽጥና ብሕፍረት ይምላእ፡ዕላማና ፈርከሽ ከሽ ይብል።ህዝቢ ክርስትያን ነዚ ድምጺዚ ዓው ኢሎም ከስምዑና እንከለዉ፡ዓቕልና ኢዩ ዝጸበና።
ሓያል ሴፍ ተመሊሑ ንርኢ ኣሎና፡ነቶም ንስለ ፈጣሪና ኢሎም ክሳብ ስግኦምን፡ነፍሶምን ዝፈላለያ ኣብ ሃይማኖቶም ዝጸንዑ ሰባት ንሕና ናብ ሲኦል ዓድና ክንወስዶም ንደሊሞ፡እዚ ሴፍዚ ምሕላፍ ይኸልኣና።ከምዝመስለና ሓላፊና ርኹስ ሳጥናኤል ሊቀ ኣጋንንቲ፡ነዚ ሴፍ መዚዙ ንህዝቢ ፈጣሪ ዝሕሉ ዘሎ ሚካኤል ብስልጣን ይበልጾ ከምዝነበረ ወትሩ ኣብ ሲኦል ኮይንና ንመሃሮ ትምህርቲ ኢዩ።እንተኾነ ሓንሳብ ልብና ስለዘንቀለ፡ነዚ ብዓል ዝናር፡ስም ፈጣሪ ዝተዋህበ፡ብዓል ሽዱሽተ ክንፊ፡ንደቂ ክርስቶስ ፈጣን ረዳኢ ዝኾነ ሚካኤል ክንጻረሮ እካ እንተዘይከኣልና፡ነቶም ንሱ ዘፍቅሮም ደቂ ኣምላኹ ግን ኩሉ ግዜ ከነስሕት ተዳሊና ኣሎና።ንሱን ኩሎም፡ሰዓብቱ መላእክትን ናይ ሓደ ብንስሓ ዝኣቱ ሰብ ዓቢ ናይ መርዓ ሓጎሰ ደስታ ኣብ ሰማያት ይገብሩ።ንሕና ድማ ሓደ ሰብ ብንስሓ ናብ ፈጣሪኡ ናብ እግዚኣብሄር እንተተመሊሱ፡ኣብ ሲኦል ናይ አውያትን ሓዘንን ዝኾውን ልቕሶ ነካይድ ኢና።ምኽንያቱ ብሓጥያት ኣታሊልና ገንዘብና ናይ ሲኦም ዜጋ ገይርናዮ ከነብቅዕ፡ዜግነቱ ብንስሓ ሓኺኹ ልዕሌና ክበጽሕ እረ ሰማያዊ ዜጋ ክለብስ እንከሎ ከመይ ዘይንጉሂ።
ንጥበብና ዝፍርሽሕ ክንሕይሎ ዘይንኽእል ኩሉ ግዜ ጥበብ ዝኾነ ጸሎት ንሰምዕ ኣሎና።እዚ ጸሎት እዚ ነቶም ብንጽህና ንዓና ንኣጋንንቲ ንምቅዋም ተባሂሉ ናብ እግዚኣብሄር ዝዓርግ ጸሎት ኢዩ።ንሕና ብጥበና ነዚ ጸሎትዚ ናብ ተቐባሊኡ ናብ እግዚኣብሄር ንኸይበጽሕ ብዙሕ ጻዕርታት ንገብር ኢና።እዚ ሚካኤል ዝብሃል መልኣኽ ግን ነዚ ጸሎት ካብዞም ሰባት መንዚዑ፡ብፍጥነት ናብ ኣምላኾም ይወስዶ፡፡ኣምሳዩኡ ድማ እንተድኣ' ኦ እግዚኣብሄር ንሓይሊ ኣጋንንቲ እሰረልና፡ካባና ኣርሕቐልና፥' ዝብል ነይሩ፡እዚ ጸሎትዚ ንዓና፡ዝቃወም ስለዝኾነ፡ንኸይበጽሕ ብዙሕ ዕንቅፋታት ንገብርሞ፡ሚካኤል ዝብሃል መላእኽ ግን፡እንታእዋኑ ነቲ ጸሎት ናብ ወንኡ ኣብጺሒ ብቐጥታ መልሲ ሒዙ ይመጽእ።ንሕና ድማ ሓይልና ይልሕልሕ፡ጥበና ፋሕ ይብለና።(ራእ5፥8 ዘካ3፥7)
ሓደ ግዜ ንባህራን ዝበሃል፡መንእሰይ ብብዙሕ ተንኮል ኣሊምና ናይዚ ሚካኤል ዝብሃል ቃል ንኽንዓጽፍ ውዲታት ኣሊምና ነበርና፡እንተኾነ፡ንሚካኤል ክንክእሎ ኣይከኣልናን።በቲ ኢልካ በቲ ግን ኣንቱም ደቂ ሰባት ክሳብ ሚካኤል ንምጽኣተ ክርስቶስ ንምፍጻም፡ቀዳማይ ካልኣይ፡ሳልሳይ መለኸታት ዝነፍሕ፡ንዓኹም ካብ ምስንኻል ዓዲ ኣይክንውዕልን ኢና።ዕላማና ኣብ ሲኦል ዘሎ መንግስትና ንኸስፋሕፍሕ ኢዩሞ፡ገና ኣብ ርእስኹም ኣሎና።ማሕተምና ሒዝኩም፡ናትንና ኣባላት እንተዘይገይርናኩም፡ናትና ቪዛ ማለት ናይ ሲኦል ቪዛ ብጥበብና፡እንተዘይ ሂብናኩም ኣይክንድቅስን ኢና።"
ምስክርነት ቅዱሳን መልኣኽቲኸ፥
-" ኣንቱም ደቂ ሰባት ደስ ይበልኩም፡ክትጽልዩ ከለኹም፡ክተመስግኑ፡ክትነጽሁ፡ካብ ርኽሰት ክትሕለዉ፡ንኣምላኽኩም ከተኽብሩን፡ከተምልኹን ከለኹም ዝስመዓና ደስታ ወሰን የብሉን።ኣጋንንቲ ኩሉ ግዜ መጻርርቲ ኣምላኽና ኢዮም፡መንግስቲ ኣምላኽ ስለዝተመነዩ ኢዮም ናብ ሲኦም ዝተደርበዩ፡ናብሲኦል ንኽድርበዩ ናይ ኣዛዝነት ሰራዊ ስልጣን ዝተዋህቦ ንቅዱስ ሚካኤል ኢዩ፡ምስ ሰራዊቱ ድማ ተዋግኦም፡ዝነበሮም ስፍራ ድማ ከምዘይነበሩ ኮኑ፡(ራእ12፥7-8 ቀሌ1፥17-18 ሕጂውን ንሕና ምስ ሓለቓና ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ጎንኹም ኣሎና፡ብልክዕ ብፍጥረትነትኩም ካባና ትደኽሙ፡ካባና ትንእሱ፡ፍልጠትኩም ካባና ይውሕድ፡ነገድኩም ሓደ ነገድ ጥራይ ብምኻንኩም ካባና ትውሕዱ፡ግን ኣጆኹም ጥራይ ኣብ ሃይማኖትኩም ጽንዑ፡ ብምግባርን ብእምነትን ተሓለዉ እምበር፡ኣብ ድካምኩም ከነበርትዓኩም ኢና፡ኣብ ውድቀትኩም ከነዕብየኩም ኢና፡ንውሑድ ፍልጠትረተ ነገድኩም ድማ ከነስፍሖ ኢና። ሰብ ክሳብ ሓደ ቅዱስ ነገድ ዝኣክል ንቕድስናኹም ክንሕሉ ወትሩ ኣብ ጎንኹም ኣሎና።

እግዚኣብሄር ነዚ ናይ ምድሓን ስራሕ እዚ ንኽንገብር ኣዚዙ ኢዩ።ከምቲ ሓለቓና ቅዱስ ሚካኤል፡ንባህራን ክሳብ ፍጻመ ምስኡ ኮይኑ ካብ ውዲት ናይ ሞት ኣውጺኡ ናብ ንግስነት ዘሳጋገሮ፡ከምቲ ቅዱስ ሚካኤል ንሃዋርያ ጴጥሮስ ካብ ማእሰርቲ ዘውጽኦ፡ከምቲ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ንህዝቢ እስራኤል መሪሑ ናብ ክንኣን ዘእተዎም፡እወ ኣጆኹም ክሳብ እታ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ናይ ኣዋጅ ድምጺ መለኸት ዘስምዓላ ግዜ እትኣክል፡ንሕና ንዓኹም ካብ ምሕጋዝ ኣይክንሕለልን ኢና።( መዝ34፥7,,,እብ1፥14)
ነቶም ዝቃወምኹም ረቀቕቲ ኣጋንንቲ ንሕና ከነባርሮም ቁሩባት ኢና፡ጥራይ ንስኹም ንኣምላኽኩም ጸውዕዎ።ኣምላኽኩም ኣብ ትጽውዕሉ፡ናትና ሓገዝ ኣብ ትሓትሉ ከም ቃሕሰብ ኣብ ጎንኹም ኣሎና።(መዝ35፣5)ፈጣንነትና ካብ ኤለክትሪክ ይቕልጥፍ፡ፍልጠትና ድማ ካብ ሰብ ሰርሖ masmedia ይረቅቕ።"
ወስብሀት ለእግዚኣብሄር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።
በረኸቱ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ይኽፈለና፡

ኣነ ግዳ ውሉድካ ንክናኣናዊት'ኳ ዝመሓርካ...

 በስመ ሥላሴ ኣብራም'ዩ ግብረይ ኣብ ካራን ምንባረይ ሃብታም'ዩ ሰፈረይ ብዘመናዊ ስራይ ኣብኡ'የ ዝወድቕ ይሃጥር ብስጋይ ሓሽከት ሓጣውእ ይበራረዩለይ ገንዘብ ሶዶም ክኸስብ ገንዘብካ ይስእኖ እናሻዕ ይንኖ...