onsdag 15. november 2017

ብዘይ እግዚኣብሔርን፣ብዘይ ድንግል ማርያምን ዝብላ ቃላት ተመልከቱ


በስመ ኣብ ወወልድ፣ወመንፈስ ቅዱስ ኣሜን።
ብዘይ እግዚኣብሔርን፣ብዘይ ድንግል ማርያምን ዝብላ ቃላት ተመልከቱ።

እግዚኣብሔር መድሕን ዓለም ኢዩ።ድንግል ማርያምውን፣መድሓኒት ዓለም ክትበሃል ኣይኩርኩሓናን ኢዩ።ክርስቶስ ኢየሱስ መድሕን ዓለም ኢዩ።ንሳ ውን መድሓኒት ዓለም ኢያ።ፍልልይ ግን ኣሎዎ።ንሱ ናይ ባህሪኡ ኢዩ ኣድሓንነቱ፣ንሳ ድማ ብጸጋ ነዚ ክብሪዚ ተቐበለቶ።ንሱ ቤዛ ዓለም ይበሃል፣ንሳውን ቤዛዊት ዓለም ትብሃል፣ንሱ እግዚኦ መሐረነ ክርስቶስ ተባሂሉ ይልመን፣ንሳ ድማ መሓርኒ ወተሳህልኒ ድንግል፣ በበዘመኑ፣ተባሂላ ትልመን፣ንሱ ኣድሕነነ እመከራ ስጋ ወነፍስ ሊተ ለገብርከ፣ተባሂሉ ይልመን፣ንሳ ድማ ኦ ድንድል ኣድሕንኒ እመከራ ስጋ ወነፍስ ሊተ ለገብርኪ፣ተባሂላ ትልመን።

መዝሙርና፣ብዘይብኣኺ መን ኣሎኒ፣ኢልና ንዝምረላ፣ንክርስቶስ ድማ ብዘይ በኣኻ ኮንቱ ኢያ ሂወተይ ኢልና ንዝምረሉ።ዕለታዊ ጾሎትና መልክዐ ማርያም፣ሰላም ለመላትሕኪ፣ኣብ ዝብል ጸሎት፣ሰላም ለመላትሕኪ በእሳተ ኣንብዕ እለ ውዕያ፣ግዜ ሰቀሎ ለበክርኪ ውልደ ራሄል ወልያ፣ማርያም ድንግል ለነፍስየ ደብረ ምስካያ፣(((ኣድሕንኒ እምኣፈ ደመ ዘኣናብስተ ሐቅል ኣርኣያ፣ከመ ማሕፈደ ጠቢብ ወምእመን ኪነያ።))) ኢልና ንደግም።ኣብ መልክዐ ኢየሱስ ድማ፣ሰላም ለመላቲሕከ ከመ ምሉእ ምዕቃለ ማይ፣እለ ወትረ ይትረኣያ ብመንበረ መጽሔት ርሱይ፣(((ኢየሱስ ክርስቶስ መስተስርየ ኩሉ ጌጋይ፣)))ንዝህኒ እግዚኦ በኣዛቢከ ሰናይ፣ወኣጻዕድወኒ እምበረድ ጽሩይ። ኢልና ንጽውዖ።እዚ ጸሎትዚ ግን ኣይጋጨወናን ኢዩ።ንዑኡ ኣድሕነና ንብሎ፣ንዓኣ ድማ ኣድሕንና ንብላ።ንሱ ኣድሓንነት ገንዘቡ ናይ ባህሪኡ ኢዩ።ንሳ ድማ ካብኡ ናይ ምድሓን ጸጋ ተቐበለት።ኣየማዓራረናዮምን።ንክርስቶስ ኣየንኣስናዮ፣ንድግል ድማ ምስ ጎይታ ኣይተኻኸልናያ።

ቅዳሴና፣ስብከትና ኩሉ ኣይጋጮን ኢዩ።ንሱ ቤዛ ዓለም ክበሃል ብባህሪኡ ኣድሓኒ ስለዝኾነ ኢዩ፣ንሳ ቤዛዊት ዓለም ዝተባህለት ድማ፣ብጸጋ ነዚ ስለዝተዓደለቶ ኢዩ።ንሱ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ንድሕነት ሓሲብና፣መዲብና ምምባሩ፣ብባህሪኡ ገባሪ ሰናይና ኢዩ።ንሳ ድማ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም፣ንምድሓን ደቂ ሰባት ብጸጋ እግዚኣብሔር ኣብ ሕልንኡ ተዓቒራ ዓቢ ተራ ስለዝተጻወተት፣ገባሪት ሰናይትና ኢያ።ብዘይ ድንግል ማርያም ዓለም ኣይትድሕንን ኢያ ማለትና፣ከምኣ ዝኣመሰላ ደናግል ዘይምርካበን፣ከምኣ ዝኣመሰሉ ንሚስጢረ ስጋዌ ዘሰጕዉ ዘይምምባሮም፣እምበር ምስ እግዚኣብሔር ስለዘወዳደርናያ ኣይኮንናን።ብዘይ እግዚብሔር ዓለም ኣይትድሕንን ኢያ፣ማለትና ድማ፣መለኮታዊ፣ናይ ባህሪ ኣድሓንነት፣ንዑኡ ጥራይ ዝምልከት ምኻኑ፣እቶም ካልኦት ኣሎዉና ተባሂሎም ዝምለኹ ድማ ኩላቶም ትሕቲ ስልጣን እግዚኣብሔር ምኻኖም ንምምልካት እምበር፣ንስጋውነቱ ንምኽሓድ ዝተበገሰ ኣይኮነን።እግዚብሔር ኢልና ንጽውዖ፣ዋላ እቲ ኣብ ማህጸነ ድንግል ድቂ ኮይኑ ዝተጸንሰ ኢዩ።ንዑኡ ድቂ ኮይኑና ኢልና ኣይንንዕቆን ኢና።ሰማያዊ መልኣኽ፣ካብ ስፍርኡ ናብ ምድሪ ከበስር ዝመጸ፣ለካ እቲ ክጥነስ ተባሂሉ ንድግል ዝብሰራ ዘሎ፣ፈጣሪ ናይ ድንግልን ናይ ቅዱስ ገብሪኤልን ኢዩ ነይሩ።እዞም ክልተ ፍጡራት፣ሓዴኦም ኣብሳሪ፣ሓዴኦም ተበሳሪ ኮይኖም።ነቲ ኣብ ማህጸነ ድንግል ድቂ ዝኾነ ባሮቱ ተገዛእቱ ኮኑ።ድቂ ኮይኑና፣ንእሽና ኢሎም ኣይነዓቕዎን።ንሱ ኢዩ ንዓለም ፈጢሩዋ፣ንሱ ድማ ከድሕና መጺኡ።ብዘይብኡኡ ምባልና፣ከምኡ ዓይነት ኣምላኽ፣ወይ ፈጣሪ ዘይምህላዉ ንምምልካት ኢዩ።

ንድንግል ብዘይብኣኣ ምባልና ድማ ከምኣ ዓይነት ጽርይቲ መሕደሪ መለኮት፣ካብ ደቂ ሰብ ወይ ካብ ካልኦት ፍጥረታት ዘይምምባሮም ንምምልካት ኢዩ።ኣምላኽ ድቂ ኮይኑ ኣብ ማህጸን ብጽንሲ ተገሊጹ፣ንሰባት ከድሕን፣ክብል ዝሰጎሞ ናይ ምድሓንና ስጉምቲ፣ከምኣ ዓይነት ፍጥረት ካብ ኩላቶም ፍጥረታት ምንም ዘይነበረ ምንባሩ ንምምልካት ኢዩ።እምበር፣እቲ ኣብ ማህጸና ዝተጸንሰስ፣ካብኣ ዝያዳ ከምዝበልጽ ጠፊእና ኣይኮነን።ንሱ ፈጣሪኣን ወዳን ምኻኑ ጥራይ ተረዱኡልና።ሃይማኖትና ኣይተሓዋወስን ኢዩ።ወልድ ዋህድ ኢልና ኢና ንኣምን።ንሱ ወድኣምላኽን ወድሰብን፣ንሳ ድማ ፍጥረት ኣምላኽን፣ኣደ ኣምላኽን።ንሱ ንዓለም ፈጢሩ ኣድሒንዋ፣ንሳ ድማ ተፈጢራ፣ብፈጣሪ ተሓብሒባ ካብ ኩሉ ርኽሰት ሓሊይዋ ነይሩ፣፣ክሳብ ንመለኮቱ መሕደሪ እትኸውን ድማ ብዘይምርመር ጥበቡ ዓቂብዋ ነበረ።ነዚ ተዓቅቦዚ ክትምርምር እትህቅን ሕልና ወይልኣ።ነዚ ጥበብ ኣምላኽዚ ክትበጽሖ እትመጣጠር ኣእምሮ ወይልኣ።ንባሕሪዶ ብስባር ናይ እንቃቑሖ ገይርካ ናብ ሽያኽ ጨንጊዕካ ክትውድኦ ይከኣል ኢዩ፣ ኣይፋሉን ኣይከኣንባ።ንሕናስ እምበኣር ንኣምን እምበር፣ኣይንጠራጠርን።እግዚኣብሔር እብ ህሕልንኡ ድላዩ ከቐምጥ ከምዝኽእል ንፈልጥ ኢና።ኣንታ ሰነፍ ሰብ፣ንስኻ እዚ ንስኻ እካ ኣብ ሕልናኻ ሓብሒብካ ብሚስጢር እትዕቅቦም ነገራት ኣሎዉኻ።ብማንም ዘይምርመር ኤልሻዳ ገናና እግዚኣብሔር ግዳ፣ንድግል ኣብ ሕልንኡ ካብ ኩሉ ርኽሰት ናይ ደቂ ኣዳም ዓቂብዋ ነይሩ እንተተባህለ፣ከመይ ክትጠራጠር ክኢልካ።ነዚ ረቂቕ ተዓቅቦዚ፣ክትምርምር ምስትህቅን ግን ሕልናኻ ክዓርበካ ኢዩ።ካብ ነዚ ክትምርምር ምፍታን፣ ብማንካ ናይ ሽኮር ገይርካ ንቀይሕ ባሕሪ ናብ ሓደ ሽያኽ ጨንጊዕካ ክትጥርሶ ይቐለልካ።

ገሊኣቶም ነብያት፣ሕደት ዘርኢ ተዘይገድፈልና ነበረያ ነበረ ምኾንና ኢሎም ዘሚሮም።ገሊኣቶም ድማ፣እነሆ ኣብ ምድሪ ያዔር፣ኣብ ቤተልሄም ብዛዕባኣ ሰማዕና ኢሎም ጽንጽንተኦም ደርጉሑ።እቲ ብድንግል ማርያም ዓለም ኣይደሓነትን፣ ድንግል ማርያም ተድሕኖ ሰብ እንተሎ ኣርኡዩኒ ኢሉ ዘዕገርግር ዘሎ ሰብ፣ትምህርተ ስጋዊ ዝኸሓደ ሰብ ይመስል።ኑፋቐ ድማ ኣፍለቕለቐ።ድንግል ማርያም ወላዲተ ሰብ እምበር፣ወላዲተ ኣምላኽ ኣይትበሃልን ኢያ ክብል ኢዱ የዋጣውጥ።እታ ብድንግል ማርያም ዓለም ኣይደሓነትን እትብል ልሳኑ፣ነቲ ተበጃዊ ጎይታ ክትክሕድ ከንፈሩ ምቕምቕ ስለዝበላ ኢዩ።ንሕና ግን ተስፋ ድሕነትና ብኣኣ ኢዩ ተፈጺሙ ኢልና ኢኢና ንኣምን።እዚ ምባልና ግን ንጎይታ ኣይከሓድናዮን። እረ ኣየነኣኣስናዮን።ከምዘይ ከሓድናዮ ውን ይፈልጠና ዩ።እቲ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ንሓጢኣት ብስግኡ ዝኾነኖ፣እቲ ስጋ ካብ ሰማይ ከምዘይመጸ ይፈልጥ ኢዩ። ምስኡ ዘሎ ስጋ ናትና ስጋ ናይ ድግንል ማርያም ስጋ ምኻኑ ይፈልጥ ኢዩ።እቲ ሞይቱ ተንሲኡ ኢልና እንእውጆ መለኮታዊ ኣዋጅ፣ድንግል ማርያም ኣብዚ ስጋውነቱዚ ዓቢ ቦታ ከምዘለዋ ይፈልጥ ኢዩ።ምኽንያቱ ኣምላኽ ኣይመውትን ነይሩ፣ መለኮቱ ብምልኣት ዝተዋሃሃዶ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝወስዶ ስጋ ግን፣ንኸመውት ክሳብ ክንድዚ ፍቕሩ ክገልጸልና ተመቾኦ።እረ ብዘይተዋህዶስ፣እታ ክሳብ ሞት ኣፍቀረና እትብል ጭርሖና ሕጂ ቦታ ኣይምሃለዋን ነይሩ።ክሳብ ክንድዚ ልዕል ልዕል ከም ንብል ድማ ገይሩና።

ንኡኡ ብዘይብኣኻ ዘድሕነኒ የሎን ኢልና እንልምኖ፣ብባህሪኡ ከድሕን ዝክእል ኣምላኽ ንሱ ጥራይ ስለዝኾነ ኢዩ።ንዓኣውን ለዘኢኣፈቅረኪ እግዝእትየ ማርያም፣ጌጋዩ ወሐጢኣቱ ኢተሃደግ ለቱ።ንዓኺ ዘየፍቅር ሓጥያቱን በደሉን፣ኣይተሓደገሉ።ኢልና ንጽሊ።እዚ ዕብየታ ልዕሊ ኣምላኽ ስለዝገበርናያ ኣይኮነን።ክንድኣ ዝኣክል ቅድስና ዘለዎ ፍጡር ዘይምህላዉ ንምምልካት ድኣምበር።እዚ ማለትናውን ነቶም ካልኦት ቅዱሳን ክንጸርፍ ስለዝደለና ኣይኮነን።ኾኾብ ካብ ኮኾብ ከነወዳድር ስለዝግበኣና ኢዩ።ክብርታት ቅዱሳን ምግንዛብ ክንድምንታይ ኣገዳሲ ምኻኑ ንምምልካት እምበር፣ንዓኣ ንድንግልሲ ልዕሊ ፈጣሪ ሰሪዕናያ ኣይንፈልጥን ብሕጂ ውን ኣይክንሰርዓን ኢና።ንሳስ ልዕሊ ፍጡራን፣ትሕቲ ፈጣሪ ኢያ።ብዘካይ ካልእ ኣምላኽ ኣይተምልኽ ኢሉ ዝኣዘዘ ንሱ ኢዩ።ስለዚ ንዑኡ ዘየፍቅር ውጉዝ ኢዩ።ባህርያዊ ኣምላኽነቱ ስለዝኸሓደ ኢዩ፣ንዓኣ ዘየፍቅር ውን ውጉዝ ኢዩ፣ካብ ኣምላኽ ዝተዋህበትና ሂያብ ስለዘይተቐበለ።

ኦ ድንግል ንዒ ናባና።
ኦ ድንግል ንዒ ባርኽና።
ኦ ድንግል ንዒ ርድእና።
ኦ ድንግል ኣስተስርዪ ሓጢኣትና።
ምሕረተን ረዲኤትን ናይ እግዚኣብሔር፣ኣማላድነት ናይ ድንግል ማርያም፣በረኸት ናይ ቅዱስ መስቀሉ ኣይፈለየና።
ኣሜንንን።

mandag 13. november 2017

ስቕታ ወርቂ ኣይኮነን ( ድያቆን ዳኒኤል ክብረት)


ሓደ ሰብኣይ ብዘይካ ሰበይቱ ካልእ ሓንቲ ሰበይቲ ኣፍቀረ'ሞ፡ላዕልት ታሕትን በለ።ንወዱን ንሰበይቱን እንዳራሕረሐ፡ምስታ ካልኣይቲ ሰበይቲ ከምሲ ኢሉ ድማ ክሓድር ጀመረ።ኣብ መጨረሽታ ድማ ሓደ መዓልቲ ናብ ሰበይቱ መጸሞ፡ሃንደበተኛ ዝኾነ ሕቶ ኣቕረበላ። "ኣነን ንስኽን ክንፋታሕ ይደሊ ኣሎኹ!ስለምታይ፧ ኢልኪ ምኽንያተይ ኣይትሕተትኒ።ክፋታሕ ጥራይ ኢየ ዝደሊ ዘለኹ።እሞ ድማ ኣብ ካልእ መዓልቲ ኣይኮነን።ንጽባሕ ክኸውን ኢየ ዝደሊ ዘለኹ።"በላ።ሰበይቱ ብክልተ ነገራት ተጨነቐት።በቲ ሓደ ወገን፡ዝኾነ ነገር ከይትሓትኒ ኢልዋ ኢዩ።በቲ ካልኣይ ነገር ድማ ወዳ ናብ ዩኒቨርሲቲ ናይ መእተዊ ፈተና ንኽውድእ ቁሩብ መዓልታት ስለዝተረፎ ቁርብ ክትጸንሕ ደልያ።
"ዋላ እካ እንተዘይደለኽዎ፡ወይውን እንተዘተሰማማዕክሉ፡ካብ በልካ ናይ ግድን ክቕበሎ ኢየ።ነገር ግን ብሰንኪ ናትና ምኽንያት ወድና ክጉዳእ የብሉንሞ፡ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ንተዓገስ" በለቶ።ንሱ ድማ ቁሩብ ሓሰበሞ፡"ጽቡቕ ሓንቲ ወርሒ ንክዕገስ ኣይጽግምን'ዩ፡ነገር ግና ኣብዛ ውሽጢ ወርሒዚኣ ሽማግሌ ልኢኽካ፡ምኽንያት ምሕታት የለን፡ብዛዕባዚ ፍትሕ ካባና ካባይን ካባኽን ዝኾነ ነገር ከነልዕል የብልናን።በዚ ቃል ትኣትዊ ዲኺ፧" በላ።ንሳ ድማ " እሰማምዓሉ ኢየ፡ነገር ግን ንስኻውን ነዚ ዝነግረካ ንምፍጻም እንተድኣ ትሰማማዕ ኮይንካ ኢዩ፡ንሱ ከኣ ኣብዚ ሓንቲ ወርሒ ንግሆ ንግሆ ካብ ድቃሰይ ክትንስእን ፡ምሽት ምሸት ድማ ናብ ዓራተይ ክድይብን እንከለኹ፡ከምታ ኣብ ግዜ መርዓና ሓቒፍካ ዝወሰድካኒ ከምኣ ገይርካ፡ሓሓቒፍካ ክትወስደኒ ኢኻ።" ክትብል ሓተተቶ።ነገሩ ዘይተጸበዮን ዘይተለምደን እካ እንተኾነ፡ቀሊልን ክገብሮ ዝኽእልን ስለዝኾነ ሐራይ ኢሉ ቃል ኣተወላ።
እታ ወርሒ ተጀሚራ።
ንግሆ ንግሆ ካብ ድቃሳ እንክትትስእ፡ ሓቒፉ ሓፍ ኣቢሉ ናብ በራንዳ ምስ ኣብጽሓ ናብ ስርሑ ይኸትድ።ምሸት ምሸት ድማ ከምኡ ሓቒፉ ናብ ዓራታ ይወስዳ።ብዛዕባቲ ፍትሕ ኣይዛራርቡን ኢዮም።እናወዓለን እናሓደረን እንክኸይድ፡ጥምረት ሰብነታን፡እቶም እትለብሶም ክዳውንትን፡ኣዒንታን ኩነታት ጸጊራን፡ልምሉማት ኣካላታን ቅርጻን እንዳሰሓብዎ መጹ።በብመዓልቱ ሓሓቒፉ እንከውጽኣን ከእትዋን፡ሰብነታ እንዳፈኾሶን፡ንዓኣ ምስካም ድማ ምንም ጋሻ ዝኾነ ናይ ደስታ ስምዒት እንዳፈጠረሉን መጸ።
ምስ ገዛእ ርእሱ ድማ ምጉት ጀመረ።" ስለምንታይ ኢየ ክንፋታሕ ዝበልክዋ፡ክንድዚ ሕጂ ዝስምዓኒ ዘሎ ስምዒታት፡ምስታ ሓዳስ ኣፍቃሪተይ ስለምታይ ኢዩ ዘይስምዓኒ፧ስለምንታይ ኢያኸ፡ነዚ ነገርዚ ክገብሮ ቃል ዘእተወትኒ፧እዚ ዝመስል ጎድና፡ክሳብ ክንድዚ ዝማርኽ ቅርጻ፡እዚ ዘደስት ፈገግታኣ፡እዚ ዘው ዝበለ ጸጉራ፡እዚ ክሳብ ክንድዚ ፍሉይ ዝኾነ ኣካላታ ስለምንታይ ኢየ ክሳብ ሕጂ ዘየስተውዓልክዎ ነይረ፧ንሳ ድያ ምሳይ ነይራ ወይሲ ኣነውን ምስኣ ነይረ ኢየ፧"
መጨረሽታ ናይታ ወርሒ እንዳቐረበ ምኻኑ ስለዝፈለጠ፡ካብኣ ምፍላይ ጨነቖ። ክሳብ ክንድዚ ድማ፡ነዚ ኩነት ዝፈጠረሉ ጋሻ ስምዒት እንዳፈተዎ መጸ።ወገሐ ጸበሐ፡ንዓኣ ሓሓቒፉ ክሳብ ዝወስዳ ኣጥቢቑ ክሓቕፋ ጀመረ።ብኻልእ መዳይ ድማ በዚ ተግባራታዚ፡ኣብ ውሽጡ ዘሕደረትሉ ስምዒት ስለዝሰሓቦ ከድንቓ ጀመረ።ብልሕነታን፡ኣስተውዓልነታን፡በቀሊል ትግባረ ንኣቓልብኡ ክትገዝኦ ብምኽኣላ ክሓስቦ እንከሎ፡" ከመይ ዓይነት ኣገራሚት ሰበይቲ ኢያ ደቀይ!" ይብል።
እታ ወርሒ ንኽትውዳእ ክልተ መዓልቲ ክትተርፋ እንከሎ፡ናይ ምፍታሖም ሓሳብ ብውሽጡ መርመሮ።ዝኾነ ነገር ግን ኣይረከበሉን።ኣብዚ ኩነታትዚ እንከሎ እንተተፋቲሑ ድማ፡ንሂዎቱ ዘይፍታሕ ሕንቅል ሕንቅሊተይ ከምዝኾኖ ስለዘተሓሳሰቦ ተጨነቐ።ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ውሽጢ'ዛ ወርሒ'ዚኣ ንፍትሕ ዝምልከት ንኸይዛራረቡ ቃል ተኣታትዮም ኢዮም'ሞ ከመይ ኢሉ ክዛረባ።ሎሚ'ውን ከምቲ ናይ ቀደሙ ብደስታዊ ስምዒት ሓቒፉ ካብ ዓራታ ከምዝወሰዳ፡ምሸትውን ናብ ዓራታ መለሳ።ካብ ቅድሙ ሎሚ ሚዛና ኣዝያ ስለዝፈኾሰቶ ኣደንገጸቶ።
ኣብታ መጨረሻ ወርሒ።
ናብታ ሓዳሽ ኣፍቃሪቱ ከደሞ፡" ናይቲ ፍትሕ ሓሳብ ሰሪዘዮ ኣሎኹ።ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ፍቕሪ ዘየብልና መሲሉኒ ነይሩ።ንሕና ግን ለካስ ፍቕሪ ኣይወሓደናን ነይሩ።ዝኸሰርናዮም ክልተ ነገር ጥራይ ኢዮም ነይሮም ምዝርራብን ምቅርራብን።ናብዚ ዘብጽሓና ድማ ዘይምቅርራብናን ዘይምዝታይናን ጥራይ ኢዩ።ሕጂ ግን ዋላ ክንዘራረብ ኣይንኸኣል'ምበር፡ክንቀራረብ ግን ጀሚርና ክኢልና ኢና።ሎሚ ከኣ ክንዘራረብ ክንክእል ኢና።ስለዚ ዝኾነኪ ሰብ ካልእ ድለዪ፥" በላ።
እታ ሰበይቲ ሓሪቓ፡ብጽፍዒት ሃረመቶ።ኣብ ጥቓኣ ዝነበረ ማይ ዓልዒላ ድማ ገጨበቶ። " እዚ ነቲ ናይቲ ብዙሕ ሓጥያተይ መኽፈሊ ዝኸውን ቅጽዓት ኢዩ፡" እንዳበለ ወጺኡ ከደ።ካብኡ ቀጺሉ ናብቲ ዕንባባ ዝሽየጠሉ ከተማ ኣተወ።እታ ክምርዓዉ እንከለዉ ዝገዝኣላ ዓይነት ዕንበባ ገዚኡ ድማ ናብ ቤቱ ኣእንፈተ።"ዓርከይ መርዓ ማለት፡ተመርዕዮም ዝነብሩ ዘይኮነስ፡በብግዚኡ ምስ ዝምርዓዉ ኢዩ፡ዝበሎ ሓቁ ኢዩ።ሓዳር ከም ፈተና ናይ 12 ክፍሊ ሓሊፍካ ሰርቲፍኬት ዝስቀለሉ ኣይኮነን ዝበሎ ሓቁ ኢዩ።ሓዳርን ተኽልን፡ምክንኻን ይደልዩ ኢዮም።ስቕ ኢልካ ብዝዓበይዎ ይዕበዩ ተባሂሎም ዝግደፉ ነገራት ኣይኮኑን።"
"ልክዕ ኣብዚ ሃገር፡ፈልሲ ንኽትኩስኩስ፡ማይ ከተስትን ከተዕብን እምበር፡ንኽንተክል ጸገም ከምዘየብልና፡ ንሕናውን ሓደ ኮይንና ንኸይንተኣታቶ ሽግር የብልናን።ፍቕሪ ግን ምትእትታው ጥራይ ዘይኮነስ፡ማይ ምስታይን ምኹስካስን፡ምእራምን፡ከብቲ ንኸየበላሽውዎ ሓጹር ምግባርን በብግዚኡ ማዳበርያ ምውሳኽን የድሊ።ብርግጽ ብዕድሉ ዝበቁል ገረብ ከምዘሎ፡ብዕድሉ ዝነብር ሓዳር'ውን ይህሉ ይኸውን ኢዩ።እዚ ግን ንህይወት ንገዛእ ርእስኻ ዘይኮነስ፡ንኣጋጣሚታት ጥራይ ኣሕሊፍካ ምሃብ ኢዩ።" ዝበሎ ሓቁ ኢዩ።ኣነ ኣይሰማዕክዎን እምበር ንሱስ ተዛሪቡ ነይሩ ኢዩ።"
ማኪናኡ ደው ኣበለ'ሞ በቲ መእተዊ ኣተወ። ኣብቲ በራንዳ ኮይና ትጽበዮ ዝነበረት ብዓልቲ ቤቱ ኣይነበረትን።ማዕጾ ካሕኮሐ ዝኸፍቶ ግን ኣይነበረን። እንክኩሕኩሖ ገልጠም ኢሉ እቲ ማዕጾ ባዕሉ ተኸፍተ።እታ በዓልቲ ቤቱ ግን ኣብዛ ወርሒ መበል 30 መዓልቲ ኣብ ሳሎን የላን።እንዳተገረመ ጋን እንዳኾኖ ናብቲ መደቀሲ ክፍሉ ተበገሰ።ኣብቲ ዓራት ፍሽኽ ኢላ ተጋዲማ ረኣያ።ነታ ዕንባባ ሒዙ ጽግዕ በለሞ፡ኣፍልባ ተንከፎ።ዘሓሒላ።ብፍቕራዊ ቃላት ገይሩ ጸውዓ መልሲ ግን ኣይነበረን ; ጋን ኮይንዎ የዒንታ ግንጽል ኣበሎ።ክግንጸለሉ ግን ኣይተኻእለን።ትሩኽ በለሞ፡ሰብነታ ዳህሰሶ፡ዘሓሒላ።"ናይ መጨረሻ መዓልቲ ኢዩ፡ነዛ መዓልቲ እዚኣ ክርኢ ኣይደልን ኢየ፡ምእንቲ ወደይ ክብል ክሳብ ሎሚ ተዓጊሰ ኣሎኹ፡በቃ ይኣኽለኒ።" ዝብል ጽሑፍ ኣብ ትርኣሳ ረኸበ።
ንሳ ነቲ ፍትሕ ኣይደለየቶን፡ስለዚ ከይተፋትሐት ሞተት።ኣብ ውሽጡ ዝነበረ ናይ ሓሳብ ለውጢ ኣይፈለጠትን፡ምኽንያቱ ንኸይዛራረቡ ቃል ተኣታትዮም ስለዝነበሩ።ንሳ ነዛ ዕለትዚኣ ብስግኣትን ብጭንቀትን ኢያ ትጽበያ ነይራ።እዛ ናይ ምፍልላዮም መዓልቲ፡ነቲ ፍርቂ ህይወታ እትሓድጎ፡ነቲ ትደልዮ ነገር ድማ እትፍጽመላ መዓልቲ ኢያ ነይራ።ንሱ ግን ነዛ ዕለት'ዚኣ ብህንጡይነት ኢዩ ዝጽበያ ነይሩ።ዝዛራረቡላ መዓልቲ፡ነቲ ፍትሕ ከምዘቃረጹ ዝነግረላ መዓልቲ፡ፍቕሩ ዝገልጸላ ዕለት፡ይቕረታ ዝሓተላ መዓልቲ፡ምእንቲ ፍቕሩ ክብል ዋላ እካ ንእሽቶ ትኹን'ምበር መቕጻዕቲ ከፊሉላ ዝመጸ መዓልቲ፡ኣብ መንግኡን ኣብ መንጎ ብዓልቲ ቤቱን ናይ ምዝርራብን ምቅርራብን እምበር፡ምፍቓርን ስምዒት ንስምዒት ምልግጋስን ሽግር ከምዘይነበረ ዝተረደኦ ምኻኑ ዝገልጸላ መዓልቲ ኢያ።ግን እንታይ ይግበር።
ክልቲኣቶም ነዚ; በብልቦም ይፍለጥዎ'ምበር ኣይተዛራረቡን።ሓሳባቶምውን ብኻልእ መንገዲ ኣይተለዋወጡን።ካብዚ ዝተበገሰ፡እቲ ሽግር ዝፍታሓሉ ዕለት፡ቀንዲ ሽግር ተፈጥረ።
ክልተ ናይ ሓዳር ካንሰር ብሰንኪ ዘይምቅርራብን ዘይምዝርራብን።ሓቢሮም ኣብ ሓንቲ ዓራት እንዳሓደሩ፡ሓቢሮም እንዳበልዑ፡ሓቢሮም እንዳነበሩ ዘይቃራረቡ ሰብኣይን ሰበይትን ኣሎዉ።ኣብ ሓንቲ ዓራት ዝድቅሱ፡ኣብ ሓንቲ ዓራት ጥራይ ክድቅሱ ስለዘለዎም ጥራይ ኢዩ፡ቅድሚ ምምርዓዎም ዝነበሮም ህንጥዩነትን ናፍቖትን ሕጂ የለን።ከይደቀሱ ትኽስታ ይወስዶም።ሓቢሮም ይበልዑ፡ኣብ ሓደ መኣዲ ብምኻኑ፡ሓደ ጠረጴዛ ምኻኑ ኢዩ 'ምበር፡ከምቲ ብቕድሙ ንምሳሕ ክጋባበዙ እንከለዉ ዝነበሮም ናፍቖትን ህንጥዩነትን ሕጂ የብሎምን።ስቕ ኢልካ ምብላዕ ጥራይ።ሓደ ሓደ መዓልቲ ፍሉይ ደስታ ዝፈጥሩላን ካብ ትማሊ ዝተፈልየትን ንምግባር ኣይጽዕሩን ኢዮም።ሎሚ ከም ትማሊ፡ጽባሕ ድማ ከም ሎሚ ኢያ። ከምቲ
ብኽንደይ ሕቶ ብኽንደይ ልመና ፡
ብኽንደይ ኣፍደጌታት ብኽንደይ ሓለዋ
ሕጂ እንታይ ተሪፉ ኣእትወኪ በቃ፡
ዝተባህለ ይኾንዎም።ኣእትወኪ በቃ፡ኣእትካ በቃ፡ካብ ሕጂ ንንዮ እንታይ ተሪፉ፧ ኢሎም ይሓስቡ።ሰብ ተፈጢሩ ኣይተወደአን።በብግዚኡ ኢዩ ዝፍጠር።ፈጣሪውን ንሰብ ትውልድ ኣቢሉ ከምዘብቅዕ ኣይገበሮን።በብመዓልቱ፡በብሰዓቱ፡ በብደቓይቑ ንዘስተውዕሎ፡ሰብ ጋሻ ፍጥረት ኢዩ።ሓሓደስቲ ነገራይ ይረኣይሉ።እዚ ግን ምቅርራብ ይሓትት።ሰብኣይን ሰበይትን እንተዳኣ ተቐራሪቦም፡ከይተፋትሑ በብመዓልቱ እንዳተመርዓዉ ይነብሩ።መርዓኦም እንዳተሓደሰ ይኸይድ፡ናይ ትማሊ ብዓልቲ ቤት ካብ ናይ ሎሚ ትፍለ ኢያ።ናይ ሎሚ በዓል ቤትውን ካብ ናይ ትማሊ ዝተፈልየ ኢዩ።ለውጢ፡ዕብየት፡ብስለት ኣሎ ጽቡቕ ለውጢ ግን ቀሪቡ ዝርእዮ ይደሊ።

ናይዛ ሰበይቲ በዓል ቤት ጸገሙ ንሰበይቱ ኣእትይዋ ኢዩ 'ምበር፡ቀሪብዋ ኣይፈልጥን ነበረ።ምስኣ ሓቢሩ ይነብር እምበር ምስኣ ይነብር ኣይነበረን።ምድሪ ኣብ ልዕሊ ናይ ጽሓይ ዙርያ ስለትዘውር፡ይመሲ ይወግሕ እምበር፡ኣብኣቶም ብምኽንያት እቲ ዝተፈልየ ናይ ህይወት ጉዕዞ ኣይመስን ኣይወግሕን ነበረ።ኣብ መንጎ ሰኑይን ረቡዕን ስም እንተዘይኮይኑ ኣብ ውሽጢ ህይወቶም ፍልልይ የብሉን።
ካልእ ሽግር ድማ ብዘይምዝርራቦም ኢዩ።ምዝርራብ ማለት በቲ ዝፈልጥዎ ቃንቃ ምውራይ ማለት ኣይኮነን።ንሱሞ ከብቲ ክራኻኸባ እንከለዋ እምባሕ እምባሕ፡ይበሃሃላ ኢየን።እዚ ግን ምዝርራብ ኣይኮነን።በብግዚኡ በብሰዓቱ፡ኩልንትናኻ ምልውዋጥ ማለት ኢዩ።ካብ ከይተዛራረብካ ብስራት፡ተላዚብካ መርድእ ይሓይሽ።ካብ ዘይተዛራረብሉ ፍቕሪ፡ዝተዛራረብሉ ጽልኢ ይበልጽ።ካብ ዘይተዛራረብሉ ህያብ፡ዝተላዘብካሉ ምንቃር ይበልጽ።ሰብእይን ሰበይትን ብዘይምልዛቦም፡ነቲ ሽግር ብክልተ መንገዲ ፈትሕዎ።ናይ ክልቲኣቶም ድሌታት ነቲ ሽግር ሓንሳብን ንሓዋሩን ክፈትሕዎ ኢዩ ነይሩ።ነገር ግን ብሰንኪ ዘይምዝርራቦም ክልተ ኣንፈት ኮነ።ንሳ ሞት መረጸት፡ንሱ ድማ ይቕሬታ መረጸ።እዚ ሽግር ዝመጻሉ ምኽንያት፡በዚ ጉዳይ ንኸይዛተዩ ስለዝወሰኑ ኢዩ።ንሳ በቲ ጉዳይ ትጭነቕ፡ስለምንታይ ኢዩ ካባይ ክፍለ ዝደለየ፧ንዝብል ሕቶ የጨንቓ ነበረ።ብሰንኪ ጻዕቂዚ ሓሳባት ድማ እንዳተደኸመት ትኸይድ ነብረት።ስለዚ ኢያ ድማ በብግዚኡ እንክሓቕፋ ሚዛና ዝፎኽሶ ዝነበረ።ንሱ ግን ሚዛና ስለምንታይ ከምዝቐነሰ እኳከ ይሓታ ፈረሐ።ንሱ ምስ ገዛእ ርእሱ ኢዩ'ምበር፡ምስኣ ኣይዘራረብን ነበረ።
ስለዚ ሓደ ሓደ ግዜ ኣገዳሲ እካ እንተኾነ፡ኣብ ውሽጢ ሓዳር ግን ስቕታ ወርቂ ኣይኮነን።
ጸሓፊ ዲያቆን ዳንኤል ክብረት
ትርጉም ተክለማርያም
ትምህርት ሰንበት ደብረ አማኑኤል ክርስትያንሳንድ

onsdag 8. november 2017

ምእንትዚ እቲ ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ እምበር፡ ዓያሱ ኣይትኩኑ።(ኤፌ፭፣፩፯)


በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን፣
።።።።። ።።።።።።።። ።።።።።።። ።።።።።። ።።።።።።። ።።።።።
ምእንትዚ እቲ ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ እምበር፡ ዓያሹ ኣይትኩኑ።(ኤፌ፭፣፩፯)
1ይ ክፋል


ዘመኑ እግዚኣብሄር ዝፈትዎም ነገራት ንምድላይ ሽምዓ ሕዝና ኣብዛ ጸልማት ዝኾት ዓለም ንደልየሉ ዘመን ኢዩ።ሽምዓና ቅድስቲ እምነት፣ሽምዓና ቅድስቲ ተስፋ ሰማያት ንኹሉ እተጣምር ቅድስቲ ፍቕሪ ኢያ።ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ`ዘመኑ ለባማት ትኾኑሉ ዘመን ኢዩ`ኢሉ ጥራይ ስቕ ኣይበለን።ፍቃድ ጎይታ እንታይ ምኻኑ ከተስተውዕልሉ ዝግባእ ዘመን ከኣምበር።ብስጋዊ ኣእምሮ ሓደ ፍቓድ ወለዱ ዘይፈልጥ፣ዘኽፍኦን ዘጸብቖን ማምዩ ዘየስተውዕል ሰብ ዓሻ ተባሂሉ ይስመ።መንፈስ ቅዱስ ድማ፣ፍቓድ ናይቲ ሰማያዊ ጎይታ ሰራይዊ እግዚኣብሄር ዘየስተውዕል ሰብ፣ብዓይኒ እግዚኣብሄር ዓሻ፣ዓሻ ብዓሹኡስ ከኣ መንፈሳዊ ዓሻ ተባሂሉ ከምዝስመ ንሃዋርያ ጳውሎስ ገሊጽሉ።እወ መንፈሳዊ ለባም ኣሎ፣መንፈሳዊ ዓሻ ኸኣ ክህሉ ግድን ኢዩ።ስለዚ ብዚ ዘለናዮ ዘመን ናይ ወዲሰብ ልቦና ስጋዊ ደኣምበር መንፈሳዊ ልቦና እናወሓደ ይመጽእ ኣሎ።ሰብ ኣዚዩ በሊሕ፣ኣዚዩ ረቅቕ እናኾነኳ እንተመጸ፣መንፈሳዊ ረቂቕነቱ ግን እናወሓደ ይመጽእ ኣሎ። ወገነይ ኣዚኻ በሊሕ ዲኻ፧እሞ ብልሕኻ ሰማያዊ ኣምላኽካ ንምፍላጥ ክሳብ ክንደይ ትጥቀመሉ፣`ለባምየ፣`ትብል ትኾውን፣ግን ምስቲ ናይ ባህሪ ላባም ዝኾነ ሰማያዊ ጎይታኻ ዘለካ ርክብ ክሳብ ክንደይ ይኾውን፧ምኽንያቱ ለባም ምስ ለባም ኢዩ ዝተዓራረኽ።ለባም ኢየ ዝብል ድምጽኻኮ ምስለባማት ብዙሕ ግዜ ከምዝተራኸብካ ዘብርህ ኢዩ።ሰማያውን ረቂቕን ናይ ባህሪ ለባም ግን እግዚኣብሄር ኢዩ።


ካብ 1ይ ክፋል ክሳብ 4ይ ክፋል ንምንባብ ኣብዚ ሊንክ ንጽቀጥ።
https://docs.google.com/document/d/1oR01ysStUjDXN2V8OpcVunUnNRE-b2iEl2HyRhDGZx4/edit
No automatic alt text available.

onsdag 11. oktober 2017

ጴጥሮሳዊ ንስሓስ ናብ መስቀል'ዩ ዝመርሕ



ብስም ኣብ ወወልድ ወመንፈ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።
ክርስትያን እንተድኣ ኮይንካ፡ኣህዛብ "ናበይ ገጽካ ኢኻ ትኸይድ፧" ኢሎም ክሓቱኻ ኢዮም።"ናብ ቀራንዮ" ኢልካ መልሰሎም።"ቀራንዮ ደኣ፡ኣምላኽኩም ዝተሰቕለላዶ ኣይኮነትን፧ኣቦኻ ዝቐተለትልካስ ከመይ ኣቢልካ ኣፍቀርካያ፧" ኢሎም ከስዕቡልካ ኢዮም።ንስኻ ድማ ቅድሚ ብዛዕባ ኣምላኻ ነቶም ሰባት ምንጋርካ፡ንኣምላኽካ ስለቶም ሰባት ብጸሎት ንገሮ፡ልቦነኦም ክኽፈትን ሓቂ ክፈልጡን፡ ኣምላኻ ብመሎኮታዊ ምሐርቱ ክሕግዞም ብጸሎት ለምኖሞ፡ንዕዖም ድማ ሕተኦም መልሰሎም።
"ኣቦይ ኣይመውትን ኢዩ።ንስኻትኩም ዝመውት ኣቦ ኢኹም ትውንኑ፡ነዚ ንስኹም ትውንንዎ ኣቦ ኣነውን ብገዛእ ፍቓደይ ይውንኖ ነይረ ኢየ።እንተኾነ ንሱ ሰፈሩ ኣብ ሃገረ ምውታን፡ኣብ ሲኦል ስለዝኾነ፡ንዑኡ ምኽታል ማለት ናብ ሰፈሩ ምእታው ማለት ኢዩ።ስለዚ ብገዛእ ፍቓደይ፡ናብዛ ሰፈር እዚኣ ንኽኣቱ ነዚ ናይ ሞት ኣቦ ባርያ ክኾኖ ቃለ ማሕላ ገይረሉ ነበርኩ።ስለዚ እቲ ዘይመውት ኣምላኸይን ኣምላከ ኩሉ ፍጥረትን፡ነታ ትመውት ባህሪ ወድሰብ ተዋሃሂዱ፡ካብ ጉድጋድ ሞት ሓራ መታን ከውጻኒ ኢዩ ዝሞተ፡እታ ንሱ ዝተሰቕለላ ንዑኡ ዝቐተለት ዘይኮነትሲ ንዓይ ካብ ሞቑሕ ዝፈተሐትኒ ንዑኡ ድማ ክሳብ ክንድዚ ከምዘፍቅረኒ ንምግላጽ ዝተጠቕመላ ናይ ዝፋኑ ብርዒ ኢያ ።በዛ ብርዒዚኣ ንወድሰብ ፍቕሩ ገለጸሉ፡እዛ ዓባይ ቀስት፣ዝፋኑ ገይሩዋ ዝወዓለ ናይ ክርስትያን ኣርማ፡ ገንሸል ኮይኑ ሓንሳብን ንሓዋሩን ስለኹሉ ሰብ ዝተበጀወላ'ያ፡እምበር ንሱስ ሰፈሩ ኣብ ሃገረ ምዉታን ስለዝኾነ ኣይኮነን።

ቀጺሎም ክሓቱኻ ኢዮም።"እሞ እቲ ኣብ መስቀል ተኣሲሩ ዘልቅስ ዝነበረ ደኣ መን ኢዩ፧"
" ንሱዶ፡ንሱደኣ ኣነ ብገዛእ ፍቓደይ ብመልቀስን ጫውጫውታን ዝሳቐዮ ዝነበርኩ ስቅያተይ መኸተምታ መታን ክህልዎ፡ቃንዛ ዘይስምዖ ክንሱ ብቓንዛይ ዝተቐንዘወ፡ካብ ቃንዛይ ድማ ሓራ ዘውጻኒ ክርስቶስ ኢዩ።ንሱ ዝተቐንዘወ፡ነቲ ምንጪ ቃንዛ ኮይኑ ንሰባት ናብ ሲኦል ዝመርሕ ዝነበረ ሰይጣን መታን ክኣስር ኢዩ።ዓይነ ሕልናኻ ብስጋ ዝተኣሰረ ክርስቶስ ሪኢኻዮ ሓቀይ ፡መስቀል ግን ንክርስቶስ ሹጉጥ ኮይና ዝቐተለት መሳርያ ዘይኮነትሲ፡ንሰይጣንን ሰራዊቱን መሓንኮላ ኮይና ዝቐፈደቶ ናይ ክርስትና ኣርማ ኢያ።"
ሕቶ ኣሎኒ ኢሉ ሕጅውን ክመጻካ ኢዩ፥-
"እሞ ሓራ እንተወጺእኻ ደኣ፡ዳግማይ ናብ መስቀል፡ናብ መከራ ዘኽይድ እንታይ ኣሎካ፧"
ኣጆኻ ብመንፈቅዱስ ተመሊእካ መልሰሉ።

"ናብ ቀራንዮ ዘኺደኒ ዘሎ ምኽንያት ኣብኡ፡ከምቲ ሰይጣን ዝተኣሰሮ ተሓኒቐ ንኽተርፍ ዘይኮነስ፡ከምቲ ክርስቶስ ዝሓለፎ ሕላፍ ንኽሓልፍ ኢየ።ቀደም ዘመን፡መንግስተ ሰማያት፡ብዶሞዝ ክትእቶ ከባድ ነይራ፡ሕጂ ግን ክርስቶስ ነቲ ሽዑኡ ዝነበረ ክብደት ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ኣፍኺስዎስ፡ብዓስብን ብገድልን ቅድስና ክትእቶ ከምትከኣል ገይርዋ።ክርስቶስ ስሌኻ ክብል መከራ ዝተቐበለ ምኻኑ ትኣምን ተኾይንካ፡ነቲ ንሱ ዝሓለፎ ኣሰር ክትረግጽ፡ነቲ ንሱ ዝተሰከሞ ኣርማ ክትስከም፡ነቲ ንሱ ዝተኸደኖ ቀይሕ ካባ ክትክደን፡ነቲ ንሱ ዝሰተዮ ናይ ጽዋእ ሓሞት ክትጥዕም ግድነትካ ኢዩ።ምኽንያቱ መንግስተ ሰማያት ናይ ሃካያት ስፍራ ዘይኮነትሲ፡ናይ ጽዒሩ መንፈሳዊ ጻዕሪ ዝመሃረን፡ተጋዲሎም 'ኣገናዕ ኣንቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት' ዝበሃሉላ መዕረፊት ቅዱሳን ኢያ።" ሽዑኡ ንስኻ ድማ ሕቶቶ፦
"ክሓተካዶ፧"
ሕተት ሕተት"

" ናብ ናይ ዕረፍቲ ስፍራስ ክትኣቱ ተስፋ ኣሎካዶ፡"
እንታይ ተስፍኡ፡ብርግጽ እምበር።" ኢሉ ክምልስ ኢዩ።ሽዑኡ ንስኻ ዕትብ ኢልካ መልሰሉ።" እሞ ክተዐርፍ ትደሊ ተኾይንካደኣ፡ኣየናይ ግብሪ ጽድቂ ምሠሰራሕካ ኢኻ ክተዕርፍ።ዘዕርፍ ሰብኮ፡ምስ ደኸመ፡ምስተቓለሰ ኢዩ፡ኣበይ ሰሪሕካ ኢካኸ ከዕርፍ ኢየ፡ዝበልካ፧ መስቀል ናይ ስራሕ ስፍራ ኢዩ፡ብዙሕ ዓይነት ስራሕ እካ እንተሃለወ፡ንናይ መስቀል ስራሕ ዝደፍርዋን ዝበቕዑዋን ግን ኣዝዮም ውሑዳት ምኻኖም፡መጽሓፍ ይዛረብ ኢዩ።' (ጹውዓት ብዙሓት፡ሑሩያት ግን ውሑዳት፡ ከምዝብል) ናብ'ቲ ዕረፍቲ'ቲ ክእትወኒ ኢዩ፡ክፈርድ ኢዩ ኢልካ ትጽበዮኸ መን'ኢዩ፧

"ንሱ ደኣ ዒሳ፡ዮሱስ፡ክርስቶስ ይብሃል።" ሕጂውን ብትሕትና ጉድለቱ ንገሮሞ ንሓቀኛ ክርስቶስ ክፈልጦ ኢዩ።" ክርስቶስ ክፈርደኒ ኢዩ ኢልካ ትጽበ እንተኾይንካሲ፡

1) ነየናይ ስራሕካ ኢዩ ክፈርደልካ፧
2) ዒሳ ፈራዲ እንተኾይኑኸ፡ፍጡር ክኾውን ከመይ ኢሉ ይከኣል።ፍጡር ክፍረድ ደኣምበር ኣብ ቅድሚ ፈጣሪ ስልጣን ሃሊይዎ ከመይ ኢሉ ኣብ ልዕሊ ፍጥረት ክፈርድ ይከኣሎ።ንስኻ ትውንኖ ንብረትዶ፡ካልእ ሰብ መጺኡ ከምድላዩ ከቃጽሎን፡ ክምሕሮን ይኽእል ኢዩ።ክርስቶስ ክቃጸል ንዝግበኦም ሓጣኣቶም ርእዩ ናብ ሲኦል ክስንድዎም ኢዩ፡ክመሓሩ ንዝግበኦም ድማ፡ናብ ናይ ዕረፍቲ ቦታ ክወስዶም ኢዩ ፡ኢልካ ካብ ኣመንካስ፡ልዕሊኡ ፈጣሪ ኣሎ ኢልካ ክትሓስብ ከመይ ልብኻ ዓወረ፧

3) ሕጂኸ ነዚ ስልጣንዚ ዝውንን ኢዩ ኢልካ ካብ ኣመንካስ፡ይጽልየለይ ኣሎ፡ነቢይ ኮይኑ ምስቶም ቅዱሳን ጸሎት ይገብር ኣሎ ክትብል ከመይ ኢሉ ሕልናኻ ተቐበሎ፧ ክፈርድን ክኾንን ስልጣን ኣሎዎ እንዳበልካስ፡ተገምጢልካ ሕጂ ይጽልየለይ ኣሎ፡እንክትብል እሞ መንደኣሉ ጸሎትካ ዝቕበል።እምነትካ ተዛቢዑ ኣሎ።ወይ እቲ ዝፈርድ ካልእ ኣምላኽ ኢዩ ክርስቶስ ኣይኮነን በል ወይ ድማ ክርስቶስ ፈራድን ኮናንን፡ተቐባሊ ጸሎትን፡ንጸሎት ቅዱሳን ተቐቢሉ መልሲ ካብ ስልጣኑ ዝምጡን ኢዩ ኢልካ እመን።እምበር ክርስቶስውን "ናሁ ይመጽኡ ብዙሐን ብስምየ፣ብዙሓን ብስመይ ክመጹ ኢዮም ኢሉ ስለዝመሃረ፡ሓቀኛ ክርስቶስ ረኺብና ኣብታ ንሱ ዘርኣየና ቀጣንን ብዙሕ መከራ፡ ዘለዋን መንገዲ ቀጥ ኢልና ኣሎና።ካብኣ ውን ምንቕ ኣይክንብልን ኢና።ብሓጥያት ተወደቕና ውን ንሱ ከተንስኣና ንንስሓ ክጽውዓና ኢዩሞ፡ድንግል ኣዲኡ ኣብ መስቀል ዝሃበና እመ ኣምላክ ክትድግፈና ኢያ።" ኢልካ መልሰሉ።ነዚ ሰሚዑ ናብታ ሓንትን ቅንዕትን ሃይማኖት እንተመጸ ባዕሉ መሪሕካ ናብ መስቀል ክኸይድ ኢዩ፡እንተዘይተመለሰ ፡ኣምሪርካ ስሌኡ ብኸ፡ካብ ሰይጣን መቒሑ ክፈትሖ ድማ፡ ንኣምላኽካ ስሌኡ ለምኖ። ልቡ እንተተሪሩ፡ኣማሲኡ ትረት ልቢ ፡ሓጻርን ኣምስሉ ዘለዋን ይሁዳዊት ንስሓ ተጣዒሱ ናብ ማሕነቕቲ ክወርድ ክሰዶ ኢያ።ይሁዳዊ ንስሓ ናብ ገመድ ኢዩ ዝመርሕ፡ጴጥሮሳዊ ንስሓ ግን ናብ መስቀል፡እረ ቁልቁል ኣፍካ ተሰቒልካ ምስ ክርስቶስ ክመዓራረ ኣይበቅዕን'የ ናብ ምባል 'ዩ ዝመርሕ።

ወስብሀት ለእግዚኣብሄር ወለወላዲቱ ድንግል፡ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።

onsdag 20. september 2017

ሰላም ለከ መጋቤ ሥርዓታ ወሕጋ።ለደብረ ቀልሞን ምልእተ ጸጋ።እስከ ኣዕረጎ ሳሚኤል ኀበ ነዕላዊት እንግልጋ።እምካልኣኒሁ ኣመ ንትጋ።ለመልአከ ሰማይ ጸለይከ እንዘ ኣንተ ዘስጋ።

በስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ።
ሰላም ለከ መጋቤ ሥርዓታ ወሕጋ።ለደብረ ቀልሞን ምልእተ ጸጋ።እስከ ኣዕረጎ ሳሚኤል ኀበ ነዕላዊት እንግልጋ።እምካልኣኒሁ ኣመ ንትጋ።ለመልአከ ሰማይ ጸለይከ እንዘ ኣንተ ዘስጋ።
ትርጉም፡-
ሰላምታ ንዓኻ ይኹን ኣንታ መጋቢ ስርዓታን ሕጋን፡
ንደብረ ቀልሞን ምልእተ ጸጋ
ክሳብ ንዓላዊት ዝተወሰድካ ኣብኡ ንዝነበረ ትግሀትካ፡
ንመልኣኸ ናይ ሰማይ
ስጋ ለበስ ክንስኻ ዝጸለኻ።
ይብል።
ብዝያዳ እቶም ግእዝ ጽቡቕ ዝተማሃርኩም ኣዕሪኹም ትርግሙ ይርደኣኩም ይኾውን።
ታርኽ ቅዱስ ኣባ ሳሚኤል ዘደብረ ቀልሞን ኣብ ስንክሳር 8ታሕሳስ ከም ዝሕብሮ፡ብህጻንነቶም መነክሴ ክኾኑ ባህጊ ከምዝነበሮም እሞ፡ልብሲ ምንኩስና ክለብሱ ሃረር ይብሉ ከምዝነበሩ፡ነዚ ሰናይ ምንዮቶም ተመልኪቱ ድማ እግዚኣብሄር መልኣኹ ልኢኹ ናብ ሓደ ደብሪ ከምዝወሰዶም ኣብኡ ናይቶም ኣብኡ ዝጸንሑ ሽማግሌ መነክሴ ኣገልጋሊ ኮይኖም ብትግሃት የገልግሉ ከምዝነበሩ፡ እቶም ኣቦ ምስ ዓረፉ ድማ ብዙሕ መንፈሳዊ ተጋድሎ ከምዘጋጠሞም ብፍላይ እቶም ባርባራውያን ንቤተክርስትያን ንምልዋጥ ብዙሕ ጻዕርታት ይገብሩ ብምምባሮም፡(ክርስቶስ ብክልኤቱ ባህሪ) እትብል ደብዳበ ክትንበብ ከምዝሃብዎም ፡ቅዱስ ኣባ ሳሚኤል ግን በቲ ዝነበሮም መንፈሳዎ ቅንኣት ነታ ደብዳበ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክርስትያን ቀዲዶም ከምዝደርበይዋ፡
ብድሕሪኡ እቲ መኮነን ብዙሕ መቕጻዕቲ ከምዘውረደሉ፡ክሳብ ካብ ገዳሙ ኣውጺኡ ብገመል ገይሩ ብዙሕ ከምዝጎተቶም ይገልጽ።
ሓደ ግዜ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስትያን እንከለዉ፡እግዝኣብሄር ተገሊጹ "ባርባራውያን መጺኦም ክፍኣቶም ክፍጽሙ ኢዮም እሞ ከይትምልሰሎም ስቕ በል፥" ኢሉ ኣዘዞ።እሺ ኢሎም ኣብ ውሽጢ ተኸዊሎም እንዳተጸበዩ፡እቶም ክፏኣት ባርባራውያን ኣስያፍ ሒዞም ኣብ ውሽጢ ቤት መቕደስ ብምእታው ግፍዕታት ፈጸሙ።ነዚ ምጽዋሩ ዝሰኣኑ ቅዱስ ኣባ ሳሜኤል "ኣንቱም ደፋራት ክሳብ መዓስ ኢኹም ንትዕግስቲ ኣምላኽ ሸለል ክትብልዎ፡እግዚኣብሄር በዚ ትገብርዎ ዘለኹም ክቐጽዓኩም ኢዩ።"በሎም፡ንሳቶም ከኣ ኣይረኣይዎን ነበሩሞ እንካዕ ረከብናካ ብምባል ከቢድ መግረፍቲ ገረፍዎ።ብገመል ድማ ንነዊሕ መንገዲ ጎተትዎ።እታ ገመል ከኣ ብናይ ቃንቃ ደቂ ሰብ ገይራ" እግዚኣብሄር ስቕ በል ኢሉካ ከብቅዕ ንስኻ ግን ትእዛዙ ኣይፈጸምካን" ኢላ ወቐሰኣ ገለጸትሉ።ንሱ ድማ እወ ግገኛ ኢየ፡ግን እግዚኣብሄር ከኣ መሓሪ ኢዩሞ ካብ መከራይሲ ይምሕረኒባ።ኢሉ ናብ ኣምላኹ ተማሕጸነ።ነዊሕ ገድሊ ፈጺሙ ድማ ብክብሪ ዓረፈ።
ሕቶ፦ ኣብዚ ምስባኽን ገድልን ከምዝረኣናዮ ክልተ ተቓረንቲ ዝመስሉ ነገራት ንግንዘብ።
1) ስጋ ለበስ ክንስኻስ ንመልኣኽ ጸሊኻሉ፡
2) ገመል ልሳን ሰብ ገይራ ወቒሳቶም፡እዚኤን ክልቲኤን ተቓረንቲ ይመስላ።መጀመርያ ሰብዶ ይኸብር ወይሲ መልኣኽ፧ካብ ሰብን እንሲሳንከ፧
ዝብላ ነጥብታት ክንርኢ።
ክቡር ኣንባቢተመልከ፡-
እግዚኣብሄር ንፍጡራቱ መን ይኸብር ንመን ዝያዳ ኣኽቢርዎ፡ንመንከ ትሕቲ እቲ ሓደ ገይርዎ ባዕሉ ይፈልጥ ኢዩ።ንሕና ደቂ ሰባት ግን ፍልጠትና ውሱን ካብ ምኻኑ ዝተላዕለ እገለ ይዓቢ እገለ ይንእስ ኢልና ክንፈላሊ ዓቕሚ ይውሕደና ኢዩ።እግዚኣብሄር ግን መን፡ ካብ መን ዝያዳ ይኸብር ይፈልጥ ኢዩ።ንዓና፡ምደቂ ሰባት ድማ ብፍታዉ ቆንጭሉ ይገልጸልና።
ሀ) ፍጥረት መልኣኽቲዶ ይኸብሩ ደቂ ሰባት፧
ቅዱሳን መጽሓፍቲ ከምዝገልጽዎ፡ካብ ኣፈጣጥራ ናይ ቅዱሳን መልኣኽቲ፡ኣፈጣጥራ ናይ ደቂ ሰባት ዝያዳ የደንቅን የስደምምን።ሰብ ፎቶ ናይ ኣምላኽ ኢዩ ክትብል እንከለኻ፡ምስዚ ናይ ሕጂ ክብርና ኣነጻጺርካ ፈጺምካ ትሓፍር ኢካ።ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ከኣ፡ሰብ ስጋን ደምን ናይ ኣምላኽ ይምገብ ኢዩ ንዝብል ትምህርቲ ካብ ኩሎም ፍጥረት ኣብ ሰብ ዘለዎ ኣረኣእያ ማዕረ ክንደይ ይኸብር የነጽረልካ።
ታሪኹ፡- "መልኣኽቲ ምስ ተፈጥሩ፡ካብ መንጎኦም ክብሩ ዘይሓለወ፡ 'ኣምላኸ ኢየ ' በሃሊ ካብ ወገን ፍጥረት መልኣኽቲ ተንሲኡ ምምባሩ ቅዱሳን መጽሓፍቲ ይትርኹ።ብፍላይ መጽሓፈ ቀሌ፡ይገልጽልና ኢዩ ብዛዕባዚ።ስለዚ ሰይጣን ንኸይናሳሕ መመኽነይታ ዝገበረሉ እንታይ ኢዩ እንተኢልና፡
"እግዚኣብሄርሲ ካባይ ንላዕሊ ዝኸብር ፍጥረት ፈጢሩ ነታ 99 ነገድ እንተመሊኢዋ ክንርኢ ኢና፣" ብዝብል ትዕቢት ተወጢሩ።ብዘይ ንስሓ" ክንዳሃለወ "ዝኸብረ ፍጥረት ብሕጂ ክሰርሕ ዓቕሚ ስለዘየብለይ፡ብዘይንስሓ ናብ ክብርኻ ተመለስ" ክብሎ ይደሊ ነይሩ።ነታ ሰይጣን ዝፈጸማ ሓጢኣት ሓላፍነት ወሲዱ ክጠዓሰላ ዝግበኦ ሰይጣን ኢዩ ነይሩ።እግዚኣብሄር ግን ናይ ንስሓ ዕድል ሂብዎ ከብቅዕ ስለዝኣበየ፡በቶም ከምኡ ዝፍጥረቶም ቅዱሳን መልኣኽቲ ተኾብኪቡ ናብቲ ዝዓሞቐ ባርባሮስ ከምዝድርበ ገይሩ ቀጽዖ፡ነቲ መልአከ መዐት ዝነበረ ቅዱስ ሚካኤል፡ሊቀ መላእክት ዝብል ክብሪ ሸለሞ።ብኽብሪ መልኣኽቲውን ንሓድሕዶም ይበላለጹ ኢዮም።ንሰባት ግን ብፍሉይ ክብሪ፡ክእለቱ ከርኢ ካብቶም ግኡዛን ፍጥረት 4 ባህሪያተ ስጋ ምስ 3 ባህርያተ ነፍሲ ኣወሃሂዱ ኣኽቢሩ ፈጠሮም።
እረ ሰብ ምስተፈጥረ ይብል ቀሌሚንጦስ3፥38 "ስግኡ ካብ ኮኾብ ጽባሕ ንላዕሊ፡ነፍሱ ድማ ካብ ጽሓይ ዕጽፊ የብርህ ነበረሞ፡መልኣኽቲ ድማ እንዳዘመሩ ኣኽቢሮም ናብ ገነት ኣእተዉዎ።" ይብል።
ነዚ ተኣምረ ማርያ ኣብ መቅድም፡"፡ድንግል ማርያም ትነጽሕ እምመላእክት፡ድንግል ማርያም ትዓቢ እምኩሉ ፍጥረት።በእንተ እግዚእተ ማርያ ተፈጥሩ ኣዳም ወሄዋን፡
ትርጉም፦ ድንግል ማርያም ካብ መላእኽቲ ትነጽሕ፡ድንግል ማርያም ካብ ኩሉ ፍጥረት ትዓቢ ማለት ኢዩ።ኣዳምን ሄዋንን ምእንቲ ድንግል ማርያም ተፈጥሩ።ኢሉ ይምህር።ንሰባት ዋላ በደልቲ ክንሶም እታ ኣብ ጅማረ ፍጥረቶም ዝሃቦም ጸጋ ግን ፈጺሙ ካባኣቶም ኣየጥፍኣን።ዋላ ኣብ ሲኦል ኣብ ጸልማት ይንበሩ እምበር፡ኣብ ሕቖኦም ኮይና ከም ዕንቂ እተብርህ ተረፍ ዘርኢ ብረቂቕ ጥበቡ ኣቐሚጥዋ ነበረ። (ኢሳ1፣9)
ስለዚ እግዚኣብሄር ተዝሓተኩም" ደጊም ካልእ ፍጥረት ክትፍረሩሞ እንታይ ዓይነት ፍጥረት ክትኮኑ ይሕሸኩም፧" ኢሉ ተዝሓተና፡እንታይ ዓይነት ፍጥረት ክንከውን ምሓሸና፧ዋላ ሽሕ ግዜ ከምኡ ኢሉ ተዘምርጸና፡ሽሕ ግዜ ሰብ ምኻን ይሕሸና ከምትብሉ ግምት ኣሎኒ።ምኽንያቱ ካልእሲ ይትረፍ ስግኡን ደሙ ንምብላዕ ተፈቒድልና ብምኻኑ ዝከበረ መግቢ ንምገብ ምህላውና ኢዩ፡ክገርመኩም፡ እግዚኣብሄር ንመልኣኽቲ ክፈጥሮም እንከሎ ንጹሓን ክቡራን፡ዘይባዝሑ ፍትወተ ስጋ ዘየብሎም ስጋውያን ዘይኮኑ ገይሩ ኢዩ ፈጢርዎም።ንሰባት ግን ካብ ስጋን ነፍስን ብኢዱ ጠፊዑ ሰሪሕዎም ከብቅዕ ፡ንፍጥረትነቶም ከይነዓቐ ስገኦም ለቢሱ ተገሊጹ።እግዚኣብሄር ኣብ ማህጸነ ድንግል ማርያም ተጸኒሱ እንከሎ፡መልኣኽቲ ድማ ኣብ ማህጸና ኣቲዮም ቅዳሴኦም የከናውኑ ነይሮም። ነዚ ኢዩ ቅዱስ ያሬድ ማህሌታይ፡"ወሶበ ርእዩ ትሕትናሁ ለእግዚኦሙ፡ኣልዓሉ ኣዒንቲሆሙ ላዕለ ውስተ ኣርያም፡ወበህየ ረከብዎ ምስለ ኣቡሁ ወመምፈስ ቅዱስ ዘትካት።" ዝበሎ ኣብ ኣንቀጸ ብርሀን።
ስለዚ ቅዱሳን መላእክቲ ክቡራን ቅዱሳን ፍትወተ ስጋ ዘየብሎም ክንሶም፡ንደቂ ሰባት ግን ኣኽቢሩን ኣማዕሪጉን ብጥበቡ ፈጢርዎም ነበረ።ደቂ ሰባት ግን ክብርና ኣይዓቀብናን።ንሱ ግን ንኽብርና ከምዝዓቀቦ ንኽገልጽ ንድግል ኣቐሚጥዋ ጸነሐ።ለካ ብዘይ ነግ ፈረግ ድንግል ማርያምዶ ትዓቢ ዋላ መላእክት እንተኢልኩምኒ ድንግል ማርያም ኢያ ኢለ ክምስር ይደፍር።እዚ ክበሃል እንከሎ ግን ቅዱሳን መልኣኽቲ ሓጥኣን ኢዮም ንምባል ኣይኮንኩን።ንሓድሕዶም እካ ብክብሪን መዓርግን ከምዝበላለጹ፡ካብ ኩሎም ድማ ንድግል ኣኽቢሩ ካብ ጥንቲ ኣብ ሕልንኡ ኣኽበሩ ኣምበራ።
ለ) እንሲሳዶ ይኸብር ሰብ፡ምኽንያቱ ገመል ንኣባ ሳሚኤል ገሲጻቶም፡መልኣኽ እግዚኣብሄር ሳላ እታ ኣድጊ፡ ንበልዓም ከምዝነሓፎ ገሊጽሉ።
ኣብ መንጎ ሰብን እንሲሳን ንዘሎ ምንፃጻር እንሲሳዶ ወይሲ ሰብ ይኸብር፧
እንሲሳ እግዚኣብሄር ኣኽቢሩ ብዘየጣዕስ ኣፈጣጥራ ፈጢርዎም እካ እንተኾነ፡ተስፋ መምግስተ ሰማያት ግን የብሎምን።ኩነኔን ሞሳን በረኸተ ሰማያዊትን ኣይምልከቶምን ኢዩ።ኣብ ልደቱ፡ ብእስትንፋሶም እካ ኣብ መብልዒ ማል ኣሚቖሞ እካ እንተኾኑ፡ስግኡን ደሙን ንምብላዕ ግን ኣይምልከቶምን ኢዩ።
መደምደምታ፡-
እግዚኣብሄር ነዞም ኣብ ምድሪ ዘለና ሓጥኣን ሓጢኣትና ክገልጸልና ምስዝደሊ፡በቶም ንዑቓት ኢልና እንግምቶም ገይሩ ኢዩ ዝገንሓና።የውሃንስ መጥመቕ፡"ብልብኹም ኣብርሃም ኣቦ ኣሎና ኢልኩም ኣይትተዓበዩ፡እግዚኣብሄር ካብዞም ኣእማን ውሉድ ክኾንዎ ከተንስእ ከምዘይጽግሞ ፍለጡ፣" በሎም።ኣእማን ኣህዛብ ዘይኣመንቲ ኢዮም። ኣዝዮም ምሁራትን ፈላጣትን ሰባት እንዳሃለዉ ንትምህርቶምን ፍልጠቶምን ብዘይንጽህና ዋጋ ከምዘየብላ ገይሩ ዘሕፈሮም፡በቶም ብዓለም ንዑቓት ዝኾኑ ሃዋርያት ገይሩ ኢዩ።ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ 10 " እግዚኣብሄር ነቶም ዝበደሉ ተረርቲ ልቢ በቶም ንዑቓት ዝመስሉ ገይሩ ኣቕንኦም" ይብል።
ኣብ ግዜ ሓጢኣቶም ውን በቶም ኣህዛብ ገይሩ ይቐጽዖም ነበረ።ናብ ባቢሎን ን70 ዓመታት ክስደዱን ክግረፉን ዝገበረ ሓጢኣቶም ንከረድኦም ስለዝደለየ ኢዩ።በቶም ዘይኣመንቲ፡በቶም እንንዕቖም ገይሩ ክሳብ ክንድዚ ተግሳጽ ምስሃበና ድማ ልብና ናብኡ ይምለስሞ ንጠዓስ።
በንጻሩ፡ክብርና ክገልጸልና እንከሎ ድማ በቶም ክቡራት ኢልና እንሓስቦም ገይሩ ኢዩ ዝገልጸልና።ንሕና ኣዝዮም ክቡራት፡ብኽብሪ ፈጺምና ዘይንመሳሰሎም ኢልና እንሓስቦም፡እግዚኣብሄር ድማ ንናትና ክብሪ ክገልጸልና ምስዝደሊ፡በቶም ክቡራት ገይሩ፡ንዓኣቶም ኣትሒቱ፡ንዓና ልዕል ኣቢሉ ይገልጸልና።እዚ ንዓኣቶም ከዋርድ ስለዝደለየ ኣይኮነን።ንኣብነት መጽሓፈ ጦቢት እንተምቢብና እቲ መልኣኽ ከም ኖርማል ቤተሰቦም ኮይኑ ኢዩ ዘገልግሎም ነይሩ።ንጦቢያ ብዙሕ ክእዘዞ፡ክሳብ ብደሞዙ ተላኢኹ ሰብ ተመሲሉ ንክብሩ ማዕረ ባርያ ቆጺሩ ክተሓጋገዞም እንከሎ ነንብብ።እብዚ እምበኣር እግዚኣብሄር ነቲ ዓዊሩ ዝነበረ ጦብያን፡ነታ ብኣጋንንቲ ተኸቢባ ዝነበረት ሳራን ከኽብሮም፡ውርደቶም ድማ ከርሕቐሎም ስለዝደለየ፡ነቲ ክቡር መልኣል ልኢኹ ትሕቲ ሰብ ከምዝኸውን ኣምሲሉ ክብሮም ገሊጽሎም። ጦቢትን ሳራን ብመንገዲ ትሕትና መልኣከ ኡራኤል ገይሩ ክብሮም ተበሰሩ።
ኣብዚ ናይ ኣባ ሳሚኤል ታሪኽ ውን ክህነት ማዕረ ክምንይ ክቡር ምኻኑ፡ንሰባት ዝተዋህበ ናይ ጸጋ መለኮታዊ ስልጣን ማዕረ ክንደይ ክቡር ምኻኑ፡እተን ኣጻብዕቲ ካህን ስጋ መለኮትን ደመ መለኮትን ከምዝፍርትታ፡ደቂ ሰባት መታን ክመሃሩ፡ነቶም ንስሓ ዘይምልከቶም፡ምውዳቕን ምትንሳእን ዘይግበኦም፡ናይ ንስሓ ዕድሎም ተወዲኡ ደጊም ኣብ ዝማሬን ውዳሴን ንዘለዉ መልኣኽቲ ጸዊዑ፡ከም ዝደኸመ፡ሓጢኣት ፈጺሙስ ንስሓን ጸሎተ ሓገዝ ካብ ሰባትን ከምዘድልዮ ብምምሳል ተገሊጹ ኣብ ትሕቲ ኣባ ሳሚኤል ክወድቕ እንከሎ ነንብብ።
ኣብዚ ኣባ ሳሚኤል ብዝገበርዎ ጸሎት መልኣኽ እግዚኣብሄር ካብቲ ዝነበሮ ክትንስእ እንከሎ፡እቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት፡ክብሪ ክህነት ዘይርደኦም፡ኢድ ካህን ማዕረ ክንደይ ክትፈትሕን፡ክትኣስርን ስልጣን ከምዘለዋ ንምርዳኡ ዝተጸገሙ እግዚኣብሄር ነዚ ስለዝገለጸሎም፡ደጊም ዘማኻንይዎ የብሎምን።ኣባ ሳሚኤል ድማ ነቲ መልኣኽ ካብቲ ዝነበሮ ናብ ሰማያዊ ክብሩ ዓሪጉ ስለዝረኣዮ ፡ኣነ ይበልጽ ንመልኣኽ ክቐትልን ከሕውን ዝኽእል ስልጣን ኣሎኒ፡ኢሉ መታን ከይዕበ፡መልኣኽ እግዚኣብሄር ንስሓን ሞትን ከምዘይግብኦ ንኽገልጸሉ ንሰማይ ክዕርግ እንከሎ ኣርእይዎ።ስለዚ ኣነ ይበልጽ ኢሉ ምስ እግዚኣብሄር ክማጎት ኣይክእልን ኢዩ።እግዚኣብሄር ግን ክብሪ ክህነት ነቶም ህዝቢ፡ክብሪ መልኣኽ ድማ ንኣባ ሳሚኤል በቲ ዝርደኦም ቃንቃ ገይሩ ገሊጽሎም።
ስለዚ ንኣባ ሳሚኤል ንስኻዶ ትበልጽ ወይሲ መልኣኽ ኢልኩም እንተሓቲትክሞ;" ኣነ ደኣ ፍጥረተይ እካ ክቡር እንተኾነ፡ኣብ ሓጥያት ዘለዋ ዓለም ዝነብር እንዳወደቕኩን እንዳተንሳእኩን ዝነብር ሰብ እንድየ።እዚ መልኣኽ ግን ካብ ኣገልግሎት ዘይፍለ፡ረቂቕ መልኣኽ ኢዩ።ብስጋ ከም ዝተኣሰረ መንገብገቡ ከም ዘውደቐ ኮይኑ ዝተገልጸ ግዙፍ ፍጥረት ስለዝኾነ ዘይኮነስ፡እግዚኣብሄር ክገልጾ ዝደለየ ትምህርቲ ስለዝነበረ ኢዩ።" ኢሉ ትሕትንኡ እንተናረቖሐ ይምልሰልኩም።
ነቲ መልኣኽ ድማ ንስካዶ ወይስ ኣባ ሳሚኤል ይበልጽ ኢልኩም እንተሓቲትክሞ፡"ኣነ ድኣ ስጋ ኣምላኽ ኣይበልዕ፡ብምስሊ ኣምላኽ ኣይተፈጠርኩ፡በንጻሩ እካድኣ እግዚኣብሄር ከም ምስልናን መልክዕናን ሰብ ንፍጠር ኣብ ዝበለሉ ግዜ ምስሊ ኣምላኽ ክርኢ ሃረር ዝበልኩ መልኣኽ፡ስግኡን ደሙን ክርፍትት ዘይበቅዕ ክንሰይ፡ከመይ ኢልኩም ምስዚ ክቡር ኣቦ ተወዳድሩኒ።ኣባ ሳሚኤል እምበር ይበልጽ ኢሉ ትሕትኑ ይምህረኩም።ምኽምያቱ ኣብ መንጎ ቅዱሳን ኣነ ይዓቢ ኣነ ይበልጽ፡ኢልካ ምትፍናን የለን።ንሕና ግን ክብሮምን ስርሖምን እግዚኣብሄር ብዝገለጾ መሰረት ንሰብኽን ንትርኽን።ነቲ ሓደ ኣኽቢርና ግን ነቲ ሓደ ኣይንንዕቕን፡ቅዱሳነ ናይ እግዚኣብሄር ኩላቶም ክቡራት ኢዮም።መምዓርጎም ከክብሮም እግዚኣብሄር ከምዝዓደሎም ድማ ቤተክርስትያን እምዳዘምተወትሎም ትነብር ኣላ።እምበኣር እግዞኣብሄር ከምዘኽበረና ንክምህረና በቶም ክቡራን ዝበልናዮም ገይሩ ክብረትና ይገልጸልና።ስለሕስረትና ሓጥያትና ንምምሃር ድማ በቶም ሕሱራት ዝበልማዮም ገይሩ ሕስረትና የረድኣና።
ድንቂ ጥበብ ዝውንን ሓደ ኣምላኽ ዝኾነ ንኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ምስጋና ይኹን።ቅድስት ድንግል ማርያም ልዕሊ ኩሉ ፍጥረት ክብርን፡ምስጋናን ይብጽሓያ።ኩሎም ቅዱሳን በብክብሮም ዝተመስገኑ ይኹኑ።
ወስሀት ለስሉስ ቅዱስ።ኝብ

fredag 15. september 2017

ሄዋንሰ ኣዳም ይኢቲ።ወኣዳምሰ እማ ወኣቡሀ ለሄዋን።

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላኽ።
ሄዋንሰ ኣዳም ይኢቲ።ወኣዳምሰ እማ ወኣቡሀ ለሄዋን።
ሄዋን ኣዳም ኢያ።ኣዳም ድማ ኣቧኣን ኣዲኣን ንሄዋን ኢዩ።
ንዘርዝሮ፡ነብርሃዮ።
ሄዋን ኣብ ልዕሊ ኣካላ ኣነ ኢየ ጥንታዊት ኢላ እትምከሓሉ ነገር የብላን።ምኽንያቱ ንሳ ከይነበረት ኣዳም ኢዩ ነይሩ ።ኣዳም ግን ኣነ ኢየ ቀዳማይ ቅድሚ ኩሉ ወዲ ሰብ ኢሉ እንተተማጎተ ዝረትዖ የብሉን።ጅማሬ ናይ ሄዋን ኣዳም ኢዩ፡ጅማሬ ናይ ኣዳም ግን 4ቱ ባህርያተ ስጋን 3ቱ ባህርያተ ነፍስን ኢዩ ፍላሜኡ።እግዚኣብሄር ንሰብ ክፈጥሮ እንከሎ፡ናይ መጀመርያ መዓልቲ ፍጥረቱ ኣብ ዕለተ ሰንበት ፍርቂ ለይቲ፡ነቶም 4 ባህርያተ ስጋ፡መላእክቲ፡ጸልማት፡ብርሃን ዘለዎዎም ፍጥረታት ፈጢሩ።ኣዳም መወዳእታ መዓልቲ ብዕለተ ዓርቢ ይፈጠር እምበር፡ጥንታውነቱ ግን ካብ ሰንበት ኢዩ ዝጅምር።ምኽንያቱ ከምቲ ዝተባህለ ጅማሬኡ ካብ 4ባህርያተ ስጋን፡3 ባህርያተ ነፍስን እንተኢልናዮም ባህርያተ ነፍሲ ባህሪ እግዚኣብሄርን መላእክትን ኢዩ፡ባህሪያተ ስጋ ድማ እቶም ብሰንበት ዝተፈጥሩ ኢዮም።ንኣብነት ኣዳም ካብ ሓመድ ተፈጢሩ እንተኢልና፡ካብቲ ብዕለተ ሰንበት ዝተፈጥረ ሓመድ ተሰሪሑ ማለትና ኢና።ሄዋን ግን ካብ ኣዳም ኢያ ተፈጢራ።ሰራሒኦም እግዚኣብሄር ኢዩ፡ስለዚ ሄዋን ኣብ ኣዳም ተሰዊራ ነይራ ማለት ኢዩ።
ብዙሕ ምስጢራት ክለዓሉ ይከኣሉ ኢዮም።ንኣብነት ድንግል ማርያም ኣብ ሕቖ ቅዱሳን ኣቦው ከም ዕንቂ ባሕሪ ተብርህ ነይራ ንዝብል ትምህርቲ፡ሄዋን ኣብ ኣዳም ተሰዊራ ምምባራ ክምልሰልና ዝኽእል መልሲ ኢዩ።ምስጢራት ከይበዝሑና ግን ናብታ ሕቶ ከነብል።
ሕቶ፡-ስለምንታይ ኢዩ ወዲ ተባዕታይ ንውላዱ ብስም እንዳቡኡ እምበር ብስም እንዳሰበይቱ ክጽወዓሉ ዘይደሊ፧

ጽቡቕ ሕቶ ኢዩ።ተማሳሳሊ ሕቶ መራጎዲ ክውስኸ።ስለምንታይ ኢዩ፡ኣብ ግዜ መውስቦ እንዳ ወዲ ፡"ጛልኩም ሃቡና" ዝብሉ፡ስለምንታይ እንዳ ጛል "ወድኹም ሃቡና" ዘይብሉ፧ስለምንታይ ኢዩ ወዲ ንመውስቦ ንምሕታት ደፋር፡ጛል ግን ሓፋር፧
ኣብዚ ብዙሕ ተማሳሰልቲ ሕቶታት ክበቕሉ ይኽእሉ ኢዮም።ብጅምላ ግን ካብ ብዝሑ ብውሕዱ ምስ ሃይማኖትና ኣተኣሳሲርና ክንምልስ ክንፍትን።
1) ታሪኽ ፍጥረት ደቂ ሰባት ከምዝሕብሮ፡-

ሄዋን ኢያ ካብ መሰንገለ ተፈልያ ወጺኣ፡ስለዚ ኣዳም ነታ ተፍልያ ዝኸደቶ መሰንገለ ንምርካብ ጻዕሪ ንዑኡ ተገበአ።ኢድኩም እንተድኣ ተሃሪምኩም ወይ ክሳብ መቕረጽቲ ዘብጽሕ ሓደጋ እንተኣጋጢም፡ዋና ናይታ ኢድ ኢዩ ሓዛኒ እምበር፡እታ ኢድ ኣይኮነትን፡ኢድውን ቃንዛ ዘይስምዓ ኣይኮነን።ግን ክልቅባ፡ክሕክማ፡ወይ ባምቡላ ክገብረላ ዝፍትን እቲ ዋና ኢድ ኢዩ።ኣዳም ድማ ካብኡ ተፈልያ ንዝነበረት ኣካሉ፡ክትልቀበሉ እንትኽእል ቃንዛ ብዘየብሉ መንፈሳዊ ኦፕሬሽን ዕድል ስለዝረኸበ ኣየነይቲ ትኾውን ኢሉ፡ንዓኣ ንምርካም ኣብ ጻዕሪ ይርከብ።እዚ ድማ ብቅዱስ መውስቦ ኢዩ ዝፍጸም።
2) መጀመርያ በዳሊት ሄዋን ኢያ።

ስለዚ ሄዋን ብሰንኪ በደላ ኩሉ ግዜ እንዳተሰቀቐት ትነብር ነይራ።ኣዳም ድማ ነዛ እትስቀቕ ኣካሉ ኣጆኺ ኢሉ ከጸናንዓ ሓላፍነት ክስከም ተገበአ።ኣካሉ ክትጭነቕ ንሱ ግን ኣበይ ከምዘላ ክሳብ ዘይፈለጠ፡ነዛ እትጭነቕ ኣካሉ ደልዩ ክረኽባ፡ምስ ረኸባ ድማ "ይዝከረኪዶ፡ኣብዚ ኢኺኮ ነይርኪ፡ምስዘን መሰንገለ እዜአ ኢዩኮ ነይሩ ስፍራኺ፡ወዮ ክፉእ ሰይጣን ኢዩ፡ብሰንኪ ተንኮሉ ከምንነዓዓቕ ገይርናምበር፡ኣነ ኣይጸልኣክን ኢየ ኣካለይ ክሳብ ዝኾንኪ ምስዘን መሰንገለይ ክትነብሪ ዘለኒ ሃረርታ መወዳድርቲ ኣልቦ ኢዩ፡"ኢሉ ናይ መጸናንዒ ቃሉ ንኽልግስ ክደልያ ዝግበኦ ንሱ ኢዩ።ዝበደለ ሰብ መጺኡ ይቕረ በለለይ ንምባልን፡እቲ ተበዳሊ" እረ ጸገም የብሉን ዝተቐየምኩ ኣይምሰልካ!" ኢሉ ባብ ክኸፍተሉ እንከሎን ንዘሎ ክውንነት ኣየናይ ሚዛኑ ይጥዕመልካ ባዕልኹም ምዘንዎ።ዮሴፍ ጻድቕ "ኣጆኹም ኣሕዋተይ ንስኹም ዘይኮንኩም ሸጥኩምንስ፡እግዚኣብሄር ኢዩ ንጽቡቕና ገይርዎ" ምስበሎም ዝተሰምዖም ዕረፍቲ ክገልጾ ይጽግመኒ።ስለዚ ነዛ "ንኣካለይበዲለዮ" ኢላ፡ተቐይምላ ከይከውን እትሓፍሮ ዝነበረ ሄዋን "ኣጆኺ ኣምላኽ ካባኺ እትውለድ ዳግማዊት ሄዋን ተጠኒሱ ዳግማይ ኣዳም ኮይኑ ከድሕነና ኢዩ" ኢሉ ከጸናንዓ ነይርዎ።ስለዚ ነታ እንዳተሸቕረረት እትነብር ሄዋን ካብ ወርቂ እትኸብር ኣካሉ ክንዲ ዝወሰደ ግዜ ይውሰድ ብዘየገስ ፍቕሪ ከፊሉ ንኽወስዳ ይጽዕት።
3) ሰብኣይ ብመሎኮት ይምሰል፡ሰበይቲ ድማ ብትስብእት ትምሰል።

ክርስቶስ ክንብል እንከለና መለኮት ጥራይ ኣትኮነን፡ስጋ ጥራይ ድማ ኣይኮነን።መለኮትን ስጋን ብተዋህዶ ኢና ንብል።
NB፡ ስጋ ድዩ ናብ መለኮት ከይዱ ተዋሃሂዱ፡ወይሲ መለኮት ኢዩ ናብ ስጋ መጺኡ ተዋሃሂዱ፧ ስጋ ድዩ ንመለኮት መሪጽዎ ወይሲ መለኮት ኢዩ ንትስብእት መሪጽዎ፧ስጋ ድዩ ንመለኮት ሓርይዎ ኣፍቂርዎ ወይሲ መለኮት ኢዩ ንስጋ መሪጽዎ ሓርይዎ፧
ብሕጽር ዝበለ እግዚኣብሄር ድዩ መሪጽና ወይሲ ንሕና ስለዝመረጽናዮ ኢዩ መጺኡ ንስጋና ተዋሃሂድዎ፧
ነዚ ሕቶዚ እግዚኣብሄር ኣብ ልብኹም ኣትዩ መሊስልኩም ከምዘሎ እምነት ኣሎኒ።
እወ።መለኮት ኢዩ ንስጋና መሪጽዎ።"እግዚኣብሄር ሐረያ ለጽዮን ከመ ትኩኖ ማህደሮ።"እቲ ናይ ክርስቶስ ስጋ ካብ ደቂ ሰባት ዝተወስደ ኢዩ።እምበር ኣብ ሰማያት ተሓቢኡ ዝነበረ ኣይኮነን ፡"ይብል ሃይማኖት ኣበው።መለኮቱ ናትና ባህሪ ኣይኮነን።ስለዚ ንሱ መጺኡ ሓረየናሞ፡ እረ ክሳብ ወዲ ሰብ ተባሂሉ ንምጽዋዕ ዓቕሊ ገበረ።ዳግማይ ኣዳም ተባሂሉ ተሰብከሉ።ብመልኣኽቲ ተራእየ፡ ኣብ ማእከል ደቂ ሰባት ተሰብከ ተባሂሉ ተኣወጀሉ።ረቂቕ ኣምላኽ ምስ ግዙፍ ስጋ ንምውኃሃድ ካብ ሰማየ ሰማያት መጺኡ ሓረየና።ዘይሓምም ዘይመውት ባህሪ ምስቲ መዋቲ ኣዳም ፍቕሩ ንኽገልጸሉ ኣካሉ ክለብስ ወሰነ።
ስለዚ ሰብኣይ ብመለኮት ይምሰል ካብ በልና፡ናብ ሰበይቲ ከይዱ ገንዘቡ ክገብራ ዝግበኦ ድማ ሰብኣይ ክኸውን ነይርዎ።መለኮት መጺኡ ክሳብ ክንድዚ ፍቕሩ ካብ ገለጸልና፡ሰብኣይ ድማ ንሰበይቲ ደልዩ ብምርካብ ፍቕሩ ክገልጸላ ነይርዎ።ነዚ ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ ሰባኣይ ንሰበይቱ ከም ኣካሉ የፍቅራ ዝበሎ።ንሳ ግን ክትእዘዞ ኢያ ተኣዚዛ።ክገርመኩም ካብ ክትእዘዝ፡ከተፍቅር ይብርትዕ።እዚኣ ግበርያ ክብላሞ ክትእዘዞን፡ከም ኣካሉ ከፍቅራን ንዘለሎ ሚዛናዊ ሓይሊ ከቢድ ኢዩ።ንሱ ክእዝዛ እንከሎ ልዕሊ ዓቕማ ኣይኮነን ዝእዝዛ ምኽንያቱ መሰንገሊኡ ስለዝኾነ ዓቕማ ክሳብ ክንደይ ኢያ ክትእዘዝ ትኽእል ይፈልጥ ኢዩ።ከፍቅራ ግን ከቢድ ኢዩ።ኣነ ንኣእዳወይ ናብ ድላየይ ክእዘዛኒ የሰናድአን ኢየ።ግን ልዕሊ ዓቕመን ኣይእዝዘንን ኢየ።ንሳተን ግን ዝገበራ እንተገበራ፡ዝኾና እንተኾና፡ማለት ሓሚመን ቆሲለን ኢለ ኣይፍንፍነን፡ሰሪቐን፡በዲለን ኢለ ድማ ኣይቆርጸንን።ኣብኣተን ዘለኒ ፍቕሪ ድኣ እናሻዕ ይዓዝዝ።እግዚኣብሄር መጺኡ ስጋና ለቢሱ ኣማኒኤል ተባሂሉ፡ፍቕሩ ገሊጹልና፡ንሕና ድማ ክንእዘዞ ተኣዚዝና።
ገለ ሒደት፦ ክዕቀቡ ዝግበኦም ሃይማኖት ዝመበቆሎም ክብርታትን ባህልን ሃገርና፡-
ኣብ ባህልና፡ሰብኣይ ኢዩ ጛልኩም ሃቡና ዝብል፡ውላዱ ድማ ብስም ወለዱ "ወዲ እገለ!" ዳኣምበር ብስም እንዳ ሰበይቱ፡" ወዲ እገሊት!" ተባሂሉ ክጽዋዓሉ ኣይፈቱን ኢዩ።ኣብዚ ነዚ ክቡር ባህልና ከድንቖ ይፈቱ።ገለ ገለ ነገራት ናይ ባህልና ምስ ምትእትታው ባዕዳውያን ገዛእቲ ተዘሪጉ ጸረ ሃይማኖት ኮይኑ ተሪፉ ኢዩ።እዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ክቡራን ባህልታትና ግን ክዕቀቡ ዝግበኦም ኢዮም።እቲ ሰብኣይ ከም ኣዳም ኮይኑ መሰንገሊኡ ክደሊ ጛልኩም ሃቡና ይብል።ኣብ መርዓን፡ደርዓን በጺሑ ምስ ወለደን ዘመደን ከኣ እቶም ደቁ በታ ጥንታዊ መንነቶም ክጽውዕሉ ይደሊ፡ማለት ኣዳም ተባሂሎም ክጽውዑ ይደሊ።ምኽንያቱ ካብ ኣዳም ኢዮም ጀሚሮም እምበር ሄዋንሲ ድሕሪ ኣዳም ኢያ።ንባዕላ ሄዋን መንነታ ኣዳም ኢያ።ኩላቶም ካብ ሕቖኡ ዝውለዱ ዘበሉ ብስሙ ክጽውዕሉ ይደሊ፡ምኽንያቱ መለኮት ሽሕ እካ ንስጋና መሪጹ ነቲ ድኹም ባህሪና ገንዘቡ እንተገበሩ፡ውሉደ እግዚኣብሄር ተባሂልና ክንጽዋዕ ግን ይደልየና።ንሕና ደቂ ሰባት ደቂ ኣዳም እካ እንተኾንና እንወርሳ መንግስቲ ግን ኣዳም ዝሰርሓ ዘይኮነትስ እግዚኣብሄር ዝሃነጻ መንግስቲ ኢና ንጽበ።ስለዚ እዚ ሕጂ ኣብ ምድሪ ኮይኑ ሰማያዊት ሃገር ንምውራስ ዝጽበ ሰብኣይ ደቁ ነታ መለኮት ዝሃነጻ፡ጽባቐኣ ብኢድ ሰብ ዘይተሃንጸት ቤት ንኽወርስሉ ስለዝደሊ፡ብስሙ ክጽውዕሉ ይብህግ።ሰብኣይ ብመለኮት፡ሰበይቲ ድማ ብትስብእት ስለዝመሰልናዮ።

መደምደምታ፡-
ኣብዚ ኩሉ ዝተባህለ፡ ከዘኻኽሮ ዝደሊ፡ሰብኣይ ኣብ ልዕሊ ሰበይቲ ጸብለልትነት ኣሎዎ፡ወይውን ሰበይቲ ኣብ ትሕቲ ሰብኣት ባርያ ኢያ ንምባል ኣይኮንኩን።ነዚ እግዚኣብሄር ነታ ወዲቓ ዝነበረት ሄዋን፡ወዲቐ ኢላ ንመዋእላ እንዳተሸቕረረት መታን ከይትነብር ድሕሪ 5500 ዘመን ኣብ ማህጸና ክሓደር ፍቓደኛ ኮነ።ኣዳም ድማ ኦሮማይ እግዚኣብሄር ንሄዋን ጥራይ ኢዩ ተዓሪቕዋ ኢሉ ቅሬታ መታን ከይስምዖ፡ፈጣሪ ናብዛ ዓለም ክግለጽ እንከሎ ኣዳማዊ ጾታ ሒዙ ማለት ወዲ ኮይኑ ተገልጸ።ስለዚ ነቲ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዝነበረ ቅርሕንታዊ ምፍልላይ፡ብጽንሰቱን ብልደቱ ኣተኻኸሎ።ሄዋን ንድግል ሒዛ ተሓበነት፡ኣዳም ድማ ንዳግማዊ ኣዳም ሒዙ ኮረዐ።ንኽልቲኣቶም ፍቕሩ ገሊጹ ናብ ንብሮም መለሶም።
ስለዚ ጛል ናብ እንዳወዲ ከይዳ ወድኹም ሃቡና እንተበለት፡ሓጥያት ኢዩ ንምባል ኣይኮንኩን።ግን ባህልና ምስዚ ዝበልክዎ ተኣሳሲሩ ኣብ ሃይማኖትና ዝያዳ ጽንዓት ንኽንገብር ዘበራትዕ መርሐ ግብር ኮይኑልና ኣሎ ንምባል ኢየ።ሎሚ ሎሚ ግን ነዚ ክቡር ባህልና በናይዞም ምዕራባውያን ስነ ሓሳብ እንዳለወጥናዮ ኢና፡ክብሪ ጛልን ክብሪ ወድን ኣብ መውስቦ ተደባሊቑና።ሕሉፍ ሓሊፍና እቶም ደቀ ተባዕትዮ ዘይተፈጥሮና ክንናፍቕ ክንብል፡እተን ደቀንስትዮም ድማ ኣወዳት ዘይመሰልና ብዝል ሕቡእ ፍትወት ካብ ውሽጥና እንዳበቖለ ይመጽእ ኣሎ።እዚ ኣማሲኡ እንታይ ከምዝወልድ ፍሉጥ ስለዝኾነ፡ኢድ እግዚኣብሔር ሓንሳብን ንሓዋሩን ሓቃዊ ፍርዳ ክትህብ ተዘርጊሓ ዕለታ ትጽበ እነሃ።እግዚኣብሄር ዘመንናን መንገድናን ከም ናይ ኣቦታትና ዓቂብናዮ ክንነብር ብጸጋኡ ይደግፈና።
ወስብሀት ለእግዚኣብሄር።

mandag 4. september 2017

ቅዱስ ዮውሐንስ ርእሰ ዓውደ-ዓመት፣- 2ይ ክፋል

በስመ ሥላሴ ንትመሃር ትምህርተ ኣዝማን።

ብዛዕባ ዓመታት ዝተበጽሐ ጅማሬያዊት ዕለት ካብ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ደቂ ሰባት፣

ዝተፈላለዩ ናይ ስነ ጽሓይ ተመራመርቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘመናት ዝተፈላለየ ፍልስውናዊ ቅማሬ ኣካይዶም ኢዮም።ሓቀኛ ቀዳመይቲ ወርሒ ናይ ዓመት ኣበየነይቲ ኢያ ሎም ዝተፈላለየ ዓይነት ትንተናታት ሂቦምሉ ኢዮም።
ዩልዩስ ቄሳር ቅ፣ልደተ ክርስቶስ ንዝገበሮ ናይ ዘመን ቆጸራ ሓንቲ ዓመት 365 መዓልትን 5 ሰዓትን፣48 ደቒቕን፣46 ዳግሚት (ቅጽበትን) ኢሉ ንናይ ሓንቲ ዓመት ድምር ግዝያት ቀመሮ።እዘን 46 ካሊኢታት ወይ ቅጽበታት ክሳብ 1528 ዓ፣ም ኣህዛባውያን ይጥቀሙለን ነይሮም።ፖፕ ግሪጎሪ ዝተብህለ ናይ ሮም ጳጳስ ብ1528 ዓ፣ም ግን ነቲ ቅማሬ ካብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት 11 መዓልታት ከምዘትረፈ ተዛረበ።እዚ 46 ካሊኢታት ድርቢኻ ወሲኽካ ዘምጽኦ ለውጢ የለን ብምባል፣ካብ ነፍሲ ወከፍ ዓመታት 46 ቅጽበታት እንዳቆጸረ 11 መዓልታት ኮናሉሞ፡ ንዐአን ደርብዩ ክንድዚ ዝኣክል ፍልልይ ካብቲ ናይቶም ቀዳሞት ኣምጽአ።እዘን ደርብይወን ዘሎ 11 መዓልታት ካብተን 48 ደቒቕን 46 ካልኢትን ከይደመረ ስለዝገደፈን ኢዩ።ስለዚ ሓንቲ ዓመት 365 መዓልትን፣5 ሰዓትን 48 ደቕቕን 46 ካልኢታት ኢዩ ክኾና ዝግበአን ነይሩ፣ ንሱ ግን 365 መዓልታትን 6 ሰዓታትን ገይሮ ለወጦ።

ዝተፈላለዩ ሃይማኖታውያን ሰባት ኣብ ሓድሽ ዓመት ዘለዎም ርድኢት፡ ካብ ብዙሓት ብውሕዱ፣-
መሰረቶም ካብ እምነት መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ ዝኾኑ ሰባት
ሮማውያን ሓድሽ ዓመት ኢሎም ዘብዕልዎ ዝነበሩ ቅድሚ ክርስትያን ምኻኖም፣ ካብታ ሮም ሃገሮም ዝተሃነጸትሉ ዕለት ጀሚሮም የብዕሉ ምንባሮም ታሪኽ ይነግር።ግሪኻውያን ካብታ እስክንድር ዝተፈልጠላ ዕለት ጀሚሮም ሓድሽ ዓመት የቖጽሩ ምንባሮም ይትርኹ።ምዕራባውያን ክርስትያን ምስ ልደት ክርስቶስ (Anno Domini) ዝተተሓሓዘ ዕለት ኣተሓሒዞም ሓድሽ ዓመት ከምዘብዕሉ ዝተፈልጠ ኢዩ።ነገር ግን ብናቶም እምነት ክርስቶስ ዝተወልደሉ ብወርሒ ታሕሳስ ምኻኑ ዝተኣመነ እኳ እንተኾነ፣ሓድሽ ዓመት ኢሎም ዘብዕልዎ ግን ጥሪ (janury) ኢዩ።እዚ ድማ ቅድሚ ክርስትያን ምኻኖም ዘምልኽዎ ዝነበሩ ጣዖታዊ ስም ምምባሩ ታሪኽ ይገልጽ።እዚ ዕለት'ዚ ማለት January ነቲ ጣዖቶም ንምኽባር ተባሂሉ ዓመታዊ ዝበዓል ዝነበረ (1st January) ምምባሩ፡ ታሪኾም የዘኻኽረና።ስለዚ እቲ ቅድሚ ክርስትያን ምኻኖም ሓድሽ ዓመት ኢሎም ዘብዕልዎ ዝነበሩ ዕለተ፡ ነቲ ጃንዋሪ ዝተባህለ ጣዖታዊ በዓሎም ኣይለወጥዎን።እቲ ሓድሽ ዓመት ኢሎም ምስቲ ንሳቶም ዘምልኽዎ ዝነበሩ ተተሓሒዙ ዝበዓል ዝነበረ ከምዘለዎ ኮይኑ፣ልደተ ክርስቶስ ግን ኣብ ታሕሳስ ምኻኑ ይኣምኑ።ሙስሊም ሓድሽ ዓመት ኢሎም ዘብዕልዎ ካብታ መሓመድ ካብ ከተማ መካ ብሽግር ዝተሰደላ ዕለት ጀሚሮም ሓድሽ ዓመት ኢሎም የኽብሩ።ካልኦት ኣብ ህንድን ቻይናን ዝርከባ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምስቲ እምነቶም ዝተተሓሓዘ ኣብ January, february murch ወዘተ ዝገብርዎ ኣሎዉ።ብኻልእ መዳይ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ደቂ ሰባት ኣእምሮኦም ብዝበጸሖ ትንታኔ ሓድሽ ዓመት ኢሎም ዘብዕልዎ ዝተፋላለየ ኣመለኻኽታ ኣሎዎም።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እምነት ዝነበሮም ኣይሁዳውያንከ ምስ ሓድሽ ዓመት ዝተተሓሓዘ እንታይ ነንብብ፣-

ኣይሁዳውያን ካብታ ካብ ግብጺ ዝወጹላ ወርሒ ጀሚሮም ሓድሽ ዓመት ወይ ርእሰ ዐውደኣመት የኽብሩ።እዚ ሮሾሸዋ ኢሎም ይሰምይዎ።ኤታንየም ዝበሃል'ውን ኣሎ። እዚ ካብታ ኣዳም ካብ ገነት ተሰዲዱ ቅዱስ ቃል ኪዳን ዝተዋህበላ ዘመን ክሳብ ዘመነ ሙሴ ንዘሎ ግዜ ኤታንየም ኢሎም ይሰምይዎ። ትርጉሙን ትሕዝትኡን ጥንታዊ ዕለት ወይ መሰረታዊ ናይ ዘመናት ጅማረ ንማለት ኢዩ።ካብ ግብጺ ዝወጹላ ዕለት ከኣ፡ እታ ብሉይ ኪዳናዊት ዕለት ኢያ።ዘጽ12፣1-2 ወዕቁበ ይኩንኩሙ እስከ ኣስሩ ወረብዑ ለዝወርሕ ወይሕረድዎ ኲሎ ማህበረምዕ ለደቂቀ እስራኤል ፍና ሰርክ ወይንስኡ እምደሙ ወይደዩ ውስተ ራግዛት ክልኤቱ ወውስተ መርፈቁ ለውእቱ ቤት ሀበ የብዕልዎ።(እዛ ወርሒ እዚኣ ንዓኻትኩም መጀመርያ፣ማለት መጀመርያ ወርሒ ናይ ዓመት፣ትኹነልኩም። ንኹሉ ህዝቢ እስራኤል ከኣ ከምዚ ኢልኩም ተዛረብዎ።ብዓስረይቲ መዓልቲ ናይዛ ወርሒ'ዚኣ ነፍሲ ወከፍ ኣቦ ስድራ ሓደ ገንሸል ይውሰድ,,,,እንዳበለ ሓዳሽ ጀማሪት ናይ ዓመት እታ ካብ ግብጺ ዝወጹላ መዓልቲ የኽብርዋ ምኻኖም ታሪኾም ይገልጸልና።በዚ መሰረት እስራኤላውያን ክልተ ዓበይቲ በዓላት ኣሎዉዎም።እዚ ከኣ ንሚያዝያ ኔሳን ይብልዋ።ንመስከረም ድማ ሮሾሽዋ ኢሎም የኽብርዋ።እዚ ርእሰ ዐውደ-ዓመት እንዳበሉ የብዕልዎ። ኣብ ታሪኾም፡ ክርስትና ዝበሃል ሃይማኖት ክቀላቐል ምስ ጀመረ ግን፡ ብዙሕ ምልውዋጥ ከምዝተኻየደ ዝፍለጥ ሓቂ'ዩ። እቶም ኣይሁዳውያን ንክርስትያን ንምጽራር፣እቶም ክርስትያን ድማ ነቲ ናይ ኣይሁድ እምነት መታን ከይሓብርዎ ብዝብክ፡ ብዙሕ ለውጥታት ከምዝተኸስተ ዝተፈላለዩ ሊቃውንቲ ይትንቱኑ።

ንሕና ክርስትያን ኦርቶዶክስ ደቂ ተዋህዶኸ፣ሓድሽ ዓመትና መዓስ ኢዩ፣-

ንሕና ደቂ ተዋህዶ፣ሓድሽ ዓመት፣ናይ ዕለታት ጅማሬ፣ካብታ ኣዳም ተስፋ ዝተዋህበላ ዕለት ጀሚርና ኢና ንቖጽር።እዚ ድማ እግዚአብሔር "ካብ ጓል-ጓልካ ተወሊደ ካብዚ ዘለኻዮ ፍርዲ ሓራ ከውጻካ'የ። ስጋኻ ለቢሰ፣ሕማምካን መከራኻን ተሰኪመ፣ንኹሉ ጾርካ ከራግፍ'የ። ሰብ ወድ ሰብ ተባሂለ ንዓኻ፡ ነታ ከሲርካያ ዘለኻ መሰል ውልድነት ክምልሰልካ ኢየ" ኢሉ ተስፋ ሂብዎ ካብ ዝነበረት ዕለት ጀሚርና ሓደ ኢልና ንቖጽር።እዚ ድማ 5500 ዓመታት ምስተፈጸመ ክርስቶስ ክውለድ ምኻኑ ተስፋ ተዋሂብና ስለዝነበረ ኢዩ።ብዙሓት ተመራመርቲ ናይዛ ዓለም፡ ዝተፈጥረትሉ ወርሒ ንምፍላጥ ብብዙሕ መዳይ እኳ ክፈልጡ እንተፈተኑ፣ዝበጽሕዎ ደረጃ ግን ዝተፈላለየ ኢዩ። ብዙሓት ፍላስፋታት ኣብ በበይኑ እዋን ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ኢዩ ዘለዎም። ቅድስት ቤተክርስትያን ግን ካብታ ኣዳም ተስፋ ዝተዋህበላ ዕለት ጀሚራ ኢያ ሓደ ትብል።ዓለም ዝተፈጥረትሉ ወርሒውን ኣብ ወርሒ መስከረም ምኻኑ ብዙሓት ናይ ቤተ-ክርስቲያን ሊቃውንቲ ዝሰማምዕሉ ነጥቢ ኢዩ።ኣብዚ ብዙሕ ዘዛርብ ነጥብታት እኳ እንተሃለወ፣ ዝበዝሑ ናይ ቤተ-ክርስቲያን ሊቃውንቲ ግን ወርሓ መስከረም ጅማሬ ናይ ፍጥረትን ንኣዳም ተስፋ ዝተዋህበትሉን ምዃና ይትንትኑ።እዚ ድማ ካብ ኣዳም ክሳብ ልደተ ክርስቶስ ዓመተ ፍዳ፣ካብ ልደተ ክርስቶስ ክሳብ ምጽኣቱ ድማ ዓመተ ምህረት ተባሂሉ ይንገር። ናይ ክልቲኡ ድምር ማለት ኩላቶም ቁጽሪ ዓመተ ፍዳን፣ዓመተ ምሕረትን ተደሚሮም ከኣ ዓመተ ዓለም ተባሂሎም ከም ዝስመዩ ቤተ ክርስትያን ትምህር።
ስለምንታይ ሓድሽ ዓመት ኣብ መስከረም ነብዕሎ፣-
1.ቀመረ ጸሓይን ወርሕን፣-
ናይ ጽሓይን ወርሕን ቀመር ወይ ዑደት ኣብ ምሉእ ዓመት ማዕረ ዝኾናሉ ግዜ ኣብ ወርሓ መስከረም ኢዩ።ክልቴኣተን ብዝፍጽምኦ ዑደት ኣብ ወርሓ መስከረም ይራኸባሞ፣ካብኡ ሓደ ኢለን ይፍልማ።ስለዚ ጅማረ ዓመት በቲ ንሳተን ዝልክዕኦ መዓልታት ናይ ዓመት ተደሚሩ ክቑጸር እንከሎ፡ ካብታ ዝራኸባላ ዕለትን ሰዓትን፡ ግዝያቱ እንዳተፋላለየ ይመጽእ።ኣብዚ ዕለተ መስከረም'ዚ፡ ብፍላይ ኣብታ ንሕና 1 መስከረም ኢልና ነብዕላ፣ለይትን መዓልትን 12 ሰዓት 12 ሰዓት ኮይነን ማዕረ ማዕረ ይኾና።

2.ምስ ምምጻእ ክርስቶስ ዝተታሓሓዘ፣-
ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዝነበረ ዘመን ናይ ኩነኔ፣ናይ ፍርዲ፣ናይ ፍዳ ዘመን ኢዩ።ኣብቲ ዘመንቲ ፍርዲ ኣምላኽ ዝዘንበሉ፣ምሕረት ኣምላኽ ዝተነፍገሉ፣ደቂ ሰባት ብሰንኪ'ቲ ዝፈጸምዎ ጉድለት ቁጥዓ እግዚአብሔር ዝዘንቦም ዝነበረ ግዜ ኢዩ።ክርስቶስ ተወሊዱ ምስ ገዛእ ርእሱ ምስዓረቐና ግን፣እቲ ዘመን ተለወጠ።በዚ ድማ፣ክረምቲ ብፍርዲን ቁጠዓን እግዚአብሔር ይምሰል።ኣብ ግዜ መስከረም ዝናብ ኣብቂዑ፣ጽሓይ  ብርሃናን ሙቖታን እትዝርግሓሉ ግዜ ከምዃኑ፣ነቲ ክርስቶስ ዝፈጸሞ ኣማናዊ ብርሃን ኣማናዊ ናይ ድሕነት ፍጻመን፡ እቲ መንፈስ ቅዱስውን ከምኡ ኣብ ቅድስት ቤተክርስትያን ዘፍሰሶ ኣማናዊ ናይ ፍሰሃ ሙቐትን ኣባና ዝያዳ ክሰርጽ ዝፈቐደሉ ኣብ ልደት ቤተ-ክርስትያን ምዃኑን ንምዝኽኻር ኢዩ።ኣብ ግዜ ክረምቲ ጭቃ ዝበዝሓሉ ግዜ ኢዩ። ቅድሚ ኣስተርእዮ ክርስቶስ ድማ ፍርዱ ጽዒቑ ነበረ።ክርስቶስ ተገሊጹ ምሕረቱ ምስ ፈነወ ግን እቲ ዘመን ተለወጠ።ሎሚ ማንም ሰብ ሓቀኛ ንስሓ ኣትዩ መንግስቱ ክወርስ ይኽእል ኢዩ።ነዚ ኢዩ ቅዱስ ሰሎሞን "እንሆ ከረምቲ ሓሊፉ.." ኢሉ ኣብ መሃልየ ማሃልይ ዝተዛረበ።

3.ምስ ምልውዋጥ ወቕቲ ንዘሎ ሕገ ተፈጥሮ 

ከረምቲ ሓሊፉ ሓረስታይ ሓድሽ ፍረ ዝሓፍሰሉ ከረምቲ ምስ ሓለፈ ኢዩ።ኣብ ግዜ ከረምቲ ደሪቖም ዝነበሩ ኣትክልቲ ይልምልሙ፣ብዕንባባኦም ገይሮም ድማ ንምድሪ ውቃበ ይህብዋ።እቶም ሓንዛማት ንህብን ካልኦት ሓሳኹን (Insects)፣ሕንዞም ሓቢኦም ኣሉታዊ ነገራቶም ከዊሎም ምጸ ምጸ ክወስዱ ናብቶም ውቁባት ኣትክልቲ ይፍነዉ።ነቲ ዝኣከብዎ ምጸ ምጸ ድማ ብሓያልን ትጉህን ኣገልግሎት ከከም ኩነታቱ ኣብ ወርሓ መስከረም ኣብቲ ዝሓሰብዎ ፍረ ማለት ኣብ መዓርን ፍረን ይበጽሑ።ብተዘዋዋሪ መንገዲ ኣብ መስከረም ሓድሽ ዘርኢ የፍርዩ ማለት ኢዩ።ደቂ ሰባትውን በቲ ክዘንቦም ዝኸረመ ዝናብ ደስተኛታት ኮይኖም ብእምነት ጉዳይ ሕርሸኦም ይገብሩ።ኣብዚ ክንጸር ዝግበኦ፣ቅዱስ ጳውሎስ ከምዝተዛረቦ፣ኣንታ ሰብ እቲ ንስኻ እትዘርኦ ዘርኢ ከይሞተ ኣይበቁልን ኢዩ ኢሉ ከምዝተዛረበ፣ሓረስታይ ዘርኢ ሞይቱ ክቦቁል ምዃኑ፣በቂሉ ድማ ኣብ ዓወት ከምዝበጽሕ ብእምነት፣ነቲ ብገንዘቡ ሸሚቱ ዘምጽኦ ዘርኢ ናብ መሬት የፍስሶ።ኣብ ግዜ መስከረም ድማ ነቲ ዝዘርኦ ዝሞተ ዘርኢ ሓድሽ እቶት ኮይኑ ይጸንሖሞ ሓፊሱ ናብ ቆፍኡ ይመልኦ።ኩላቶም ኣትክልቲውን ሓድሽ ፍረ ዘፍርይሉ ግዜ ኣብ መስከረም ኢዩ።ስለዚ መስከረም ሓንቲ ተኽሊ ሓድሽ ፍረ ኣፍርያ ንከባቢኣ እትንዕንገሉ ወርሒ ኢዩ።ኣብዚ ንኣትክልቲ ምንም እኳ ቋንቋ ወይ ልሳን ዘየብሎም ኮይኖም እንተተረፉ፣ሓድሽ ዓመቶም ግን ወርሓ መስከረም ምኻኖ ዝተፈልጠ ኢዩ።ሓረስታይውን ሓድሽ ሂዎትን ሓድሽ እቶትን ብዘእትወሉ መሰረት፣ንዑኡ ሓዳሽ ወርሒ ወርሐ መስከረም ኢያ።ስለዚ  ድማ ቅድስት ቤተክርስትያን መንፈስ ቅዱስ ብዝገለጸላ መሰረት ሓድሽ ዓመት ኣብዚ ወርሓ-መስከረም ከምዝውዕል ትገብር።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

ኣነ ግዳ ውሉድካ ንክናኣናዊት'ኳ ዝመሓርካ...

 በስመ ሥላሴ ኣብራም'ዩ ግብረይ ኣብ ካራን ምንባረይ ሃብታም'ዩ ሰፈረይ ብዘመናዊ ስራይ ኣብኡ'የ ዝወድቕ ይሃጥር ብስጋይ ሓሽከት ሓጣውእ ይበራረዩለይ ገንዘብ ሶዶም ክኸስብ ገንዘብካ ይስእኖ እናሻዕ ይንኖ...