onsdag 18. april 2018

ኣእምሮ ዘመንጨዎም ሕቶታትን መልስታቶምን! 1ይ ክፋል

Bilderesultat for the brainበስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።
እዚ ጽሑፍዚ ኣብ ገጻት ፌስቡት ተሓጢጡ ዝተሰንዘረ፣ንልቢ ገርህታት ከደናግር ይኽእል ኢዩ ኢለ ስለዝገመትኩ፣ብመልክዕ ቃንቃ ናይቲ ሓታቲ ዝተመለሰ ቁንጫል መንፈሳዊ መልሲ ኢዩ።ሕቶ ክቕበል ፍቓደኛ ኢየ ግን ኣብ ፕሪቫት።
1ይ ክፋል፣-
1. ሕቶ፣-ስማዕ'ስከ ፈጣሪ፣-
መልሲ፣- ኣሽንካይዶ ምስ ፈጣሪስ፣ምስ ሓደ መቕርብካ ንምልዛብ እካ፣ከምዚ ዓይነት ላዛ ኣይትዛረቦን።ካብኡ ክብሪ መታን ክትቅበል ንሰብ ተኽብሮ፣ፈጣሪ ግን ኣክንዲ ዝፈጠረ ተዘንጢሉ፣ግርማውነቱ ሕልና ክልክዕ ዘይክእል፣ብፍጥረቱ ተዘንጢሉ።ኣብዚ ግን ትዕግስቱ ጎሊሑ ይረአ እነሆ።
2. ሕቶ፣-ሕቶ ከም ዘይትፈቱ'ዩ ዝንገር፣-
መልሲ፣- ሕቶ ዘይፈቱ ደኣ ዋላ ሳይነስውንኮ ሕቶ ኣይፈትዉን ኢዮም።ሳይንስ ዘይምልሶም እልፊ ኣእላፋት ሕቶታት ኣሎዉ፣ነዚኣቶም ሳይንስ ልብን ሕልናን ብጠልጠሎም ሓዲግ ሰማይ ገዲፍዎም ይነብር።ፈጣሪ ግን በንጻሩ ኢዩ፣ንኹላቶም ሕቶታትና ዓቕሙ ስለዝድርቶ ስለዝኾነ ዘይኮነስ፣ኣእምሮና ክስከሞ ብዘይምኽኣሉ ኢዩ።ጽበት ኣእምሮና ንመልሲ እግዚኣብሔር ጽፍሒ ወረቐት ኣይኮኖን ኢዩ፣፣ስለዚ ፈጣሪ ነቶም ልዕሊ ዕቕሚ ኣእምሮ ዝኾኑ ነገራትና፣ብእምነት ክንሓልፎም ንጥቕምና ዓንተዉኡ ወሰነ።ንናይ ጽባሕ ውድቀትካ ሎሚ ተትፈልጦ ገመድ መንጠልጠልካ፣ ፈጣሪ ግን ልዕሊ ዓቕሚ ንዝኾኑ ንጥቕሚ ከዊሉ፣ብእምነትን ተስፋን ከምዝሕለፍ ገይሩ እምነት ዓቢ መልሲ ብምኻኑ ኢዩ።።ሳይንስ ግን ጠልጠል ኣቢሉ ሕቶኻ ከይመለሰ እንደገናዊ ሕቶ ኮይኑ ንልቢ ይህውጻ።
3.ሕቶ፣- ግብሪ ሰዓብትኻ'ውን ነዚ'ዩ ዝምስክር፡-
መልሲ፣- ግብሪ ሰዓብቲሞ፣ግብሪ ፍጡራን ስለዝኾነ ክሓትትምበር ክምልስ ዓቕሚ የብሉን።እንተመለሰውን ፍጥረታውነቶም ስለዝግድቦ ቁንጫሎ ኢዩ።ሰሪ ግብሪ ሰዓብቲ ግን፣ፈጣሪ ኣይምልስን ኢዩ ከብሎ ኣይከኣልን።ፈጣሪ ይምልስ ጥራይ ዘይኮነስ ንባዕሉ መልሲ ኢዩ።
4. ሕቶ፣- ብጸሎት ከም ትሰምዕ
ተለሚንካ ከም ትረድእ
ይዝረብ'ሞ፡ ግር እብለኒ፣-
መልሲ፣-እወ ሓቂ ኢዩ፣እቶም ኣመንቱ ተለሚኑ ከምዝረድእ ንዛረብ ኢና ።እዚ ክበሃል እንከሎ ግን፣ካብ ሰብኣውነት ናብ ጤል ክልወጥ ደልየ ኣሎኹሞ ጸሎተይ ስምዓ ኢልካ ለሚንካዮ ጤል ዝገብር፣ካብ ሰብ ናብ ብሑቕ ክልወጥ ደልየ ኢልካ ለሚንካ ዝሰምዕ ማለትና ግን ኣይኮነን።ፐርከስ እቶም እንጽሊ ሰንኪ ፍጥረታዊ ባህርይና፣ይጠቕሙና ኢልና ዝሓሰብናዮም፣ኣብ ሎሚ ኮይንና ስለጽባሕ ናይ ምርኣይ ግንዛቤና ምስ ኣእምሮ ፈጣሪና ስለዘይመዓራረ፣ይጠቕሙና ኢልና ዝሓሰብናዮም ጎዳእትና ዝኾኑሉ ኣጋጣሚ ክኽሰቱ ስለዝኽእል፣ንሱ ፈጣሪ ንጸሎትና ኣስተኻኺሉ ይሰምዖ።ኣብ ናይ ስነፍልጠታዊ ምርምር፣እዚ ይሓይሽ ኢዩ ተባሂሉ ዝተገመተሉ፣ብካልእ ስነፍልጠታዊ መጽናዕቲ ወዲቁ ዕንወት ናይ ስነሓሳብ ዘጋጠሞም ማእለያ የብሎምን። እምበኣር፣እግዚኣብሔር ተለሚኑ ከምዝሰምዕ ምፍላጥ ጭውነት ኢዩ፣ሰንኪ ግንብንብነት እምነት ኣልባ ምኻን ግን ውሕስነት ኣብ ዘየብላ ጃልባ ተንሳፊፍካ ምንባር ኢዩ።ስለዚ ወይ ምስቶም ዝልምኑ ብእምነት ለምን፣ወይ ድማ ነቶም ዝልምኑ ኣይትዓንቅጽ።ኣብ ዓውዲ ስነፍልጠት ሪስፔክት ኢሎም ኣይመሃሩኻን ድዮም፧ወይከኣ መጺኻ ሕተቶም።ከመይ ኢሉ ኢዩ ለሚንክሞ ዝሰምዓኩም ኢልካ ንጹር መልሲ ንምርካብ ንጹር ሕቶ ሕተት።
5. ሕቶ፣- ለማኒኡ ዝፈጥር ስለ ዘይብርሃኒ!
መልሲ፣- ስለዚ ተለማኒ ኮይነ ዘይተፈጠርኩ ድዩ ሕቶኻ፧ድሓን እንካዕሞ ፍጡር ምኻንካ ፈለጥካ፣እንካዕሞ ኣነ ንገዛእ ርእሰይ ብገዛእ ኢደይ ኢየ ሰሪሐያ ኣይበልካ፧ እዚ ንህልውና ፈጣሪ እካ እንተዘይከሓድካ፣ንስኻ ግን ጎዶሎ ዓቕሚ ምኻንካ ኣዳዕዲዕካ ፈሊጥካ ኣሎኻ።ሓደ ህጻንሲ ምስ ኣቡኡ ክከራኸር ሰማዕክዎ፣
ህጻን፣- ኣቦ ኣነ ስለምንታይ ኢየ ክንዲ ናትካ ሓይሊ ዘየብለይ፣
ኣቦ፣-ድሓን ክህልወካ ኢዩ፣
ህጻን፣-ንመዓስ፣-
ኣቦ፣-ክንዳይ ምስ ኣኸልካ።
ሰብ ፍጡር ሰሪ ምኻኑ፣እቶም ዝወልዶም ውሉድውን ዋላካ ብቕዓትነት ናይ ጅማሬኦም ዘይከም ጉብዝነኦም ኣይኹንምበር፣ወትሩ ጉድለት ዝዓብለሎም ኢዩ ዝወልድ።ሰብ ሰሪ ዘይፍጽምነቱ፣ፍጹም ከምጽእ ዘይከኣለ ተባሂሉ ከመይ ኣድማ ይፍጸም፧እሞ ለማኒኡ ዝፈጥር ኣይብረሃንን ተባሂሉ ዝሕመኸ፣ኣብ ተለማንነቱ ድዩስ፣ኣብ ፍጥረትነትካ እቲ ነቔፌታ፧ ተለማኒ ክኾውን ነይርኒ ተኾይኑቲ ዘረባ፣ሓኽሊ ምሳር ንምንታይ ሓኽሊ ማዕጺድ ገይሩቲ ጸራቢ ዘይሰራሓኒ ኢላ ኣድማ ከም እትእድም ሓኽሊ ኢዩክኸውን።ስሩሕ ስቕ ኢሉ ይስራሕምበር፣ከምዚ ኮይነ ክስራሕ ይሕሸኒ ኢሉ ክመርጽ ዕድል ኣይወሃቦን ኢዩ፣ተዘይኮነ ክትጽሕፍ እንከለኻውን ነቲ ጽሕፍተት ከምዚ ገይርካ ጽሓፈኒ ክብለካ ምርጫኡ ክትሰምዕ እዝንኻ ከም ምጽላው ኢዩ።ከይለመንካዩ ዝህብ ወይውን ፈጣሪ ክኸውን ኣይነበሮን ተኾይኑ ትሕቶ ድማ፣ብርግጽ ከይለመንካዮ ይህብ ኢዩ።ገና ኣብ ምልማን ከይበጻሕና ዝሃበና ነገራትናውን ማእለያ የብሎምን።ፈጣሪ ካብቶም ለሚንናዮ ዝሃበና ነገራት፣እንከይለመንናዮ ዝመጠወልና ይበዝሑ።የዒንቲ ንክህልዋኻ ዝለመንካሉ ግዜ መቸም ኣሎ ኣይብልን ኢየ፣ኣፍንጫ፣እስትንፋ፣እግሪ ወዘተ እንከይለመንናዮ ዝመጠወልና ህያባቱ ኢዮም።እዚ ምግባሩስ ከንቅፎዶ ከመስግኖ ነይርዎ፧ፈጣሪ ክኸውን ኣይነበሮን ተኾይኑ ግን፣ምስ ሰይጣን ምትዕርራኽ ኢዩ፣ንሰይጣን ክሳብ ሕጂ ዘይተመለሰትሉ ሕቶ እዚኣ ኢያ።እንታይ ስለዝተደለየ ኢዩ እቲ ዕላማ፣ፈጣሪ ክትከውን ስለዝደለኻ፣ኣብ ዙፋን ተቐሚጥካ ኩሉ ኣብ ትሕቴኻ ክምብርከኸልካ፣ስለዝደለኻ፧ ከምዚ ዓይነት ክብሪ ክወሃበካ ትልምን ምህላውካ፣ናይ ውሽጥኻ ሕሹኽታ ይስማዕ ኣሎ።ምልማንካ ጽቡቕ ኢዩ ድሩት ዝዓቕሙ ፉጥርነትካ ስለዝመስከርካ፣እዚ ግን ድፍረት ኢዩ፣እረ ዕሽነት ዝተሓወሶ ድፍረት!!
እግዚኣብሔር ንዝሓትት ሕልና በቲ መላሲ ባህሪኡ ክምልሰሉ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን።
ወስብሀት ለእግዚኣብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።
እዚ ጽሑፍዚ ኣብ ገጻት ፌስቡት ተሓጢጡ ዝተሰንዘረ፣ንልቢ ገርህታት ከደናግር ይኽእል ኢዩ ኢለ ስለዝገመትኩ፣ብመልክዕ ቃንቃ ናይቲ ሓታቲ ዝተመለሰ ቁንጫል መንፈሳዊ መልሲ ኢዩ ኢለ ዝቐረብክዎ ኢዩ።ሕቶ ክቕበል ፍቓደኛ ኢየ ግን ኣብ ፕሪቫት።
2ይ ክፋል ይቕጽል።

ቅርበት ሰብ ናብ ጽሓይን ናብ እግዚኣብሔርን!!


በስመ ኣበ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።

 ጽሓይ ክንደይ ዝኣክል ኪሎ ዋት ዘለዎ ሙቐት ትውንን ኣእምሮ ደቂ ሰባት ክሳብ ሕጂ 100% ኮይኑ ዝበጽሖ ነገር የለን። መለኮታዊ እሳትነት ናይ ስላሴውን ክንድምንታይ ይኸውን ኣእምሮ ይኹን ሕልና ናይ ፍጡራን ክልክዖ ኣይክእልን ኢዩ።ቤተክስትያን ኣብ መለኮተ እግዚኣብሔር፡ተመራመርቲ ናይ ዓውላማ ድማ ኣብ ጽሓይ ዘለዎም ርእየት ግን ኣብ ሓደ ቁንጫሎ ናይ ድምዳሜ በጺሖም ኣሎዉ።ናይ ዓለም ተመራመርቲ ንናይ ጽሓይ ሙቐት ዘለዎ ግንዛቤ ንምትንታን፡" ጽሓይ ነቲ ካብኣ ኣዝዩ ሩሑቕ ዝኾነ ክፋለ ምድሪ ኣዝያ ብሙቐታ ተንድዶ፡ነቲ ብብራኼኡ ናብኣ ገጹ ዝቐረበ ክፋለ ምድሪ ግን ዓቂና ውሑድ ሙቐት ትዝርግሓሉ።ንኣብነት መታሕት ዓሞቕቲ ስለዝኾኑ ሰንኪ ካብኣ ምርሓቖም ብዝለዓለ ሙቐታ ገይራ ተንድዶም ፡ከበሳታት ግን ሳላ ብራኻዊ ኣቀማምጠኦም ዝወሓደ ሙቐት ይዓስሎም። ባሕሪ ወይ ውቅያኖስ ዝተሓተ ጽፍሒ ናይ ብራኼ ሰንኪ ምህላዉ ከቢድ ሙቐት ይወርዶ፡ እረ ብሃፋ ክሳብ ዝህንፈጽ ይኸውን፡በሪኽ እምባ ኤቬረስት ግን ሳላ ናብ ጸሓይ ዘለዎ ቅርበት፡እቲ ጤረር ጤረሩ ሙቐት ኣልቦ ኮይኑ፡ብበረድ ተጎልቢቡ ይርከብ!" ዝብል ምድራዊ ርእየት ኣሎዎም ዓለማውያን ተመራመርቲ።

ቅድስት ቤተክርስትያን ድማ"ኣብ መለኮተ እግዚኣብሔር ዘለኪ ግንዛቤ ግለጺ፧" ተባሂላ እንክትሕተት፡ "እግዚኣብሔር ብመለኮቱ ኩሉ ዝኽእል፡ማንም ፍጡር ኣብ ቅድሚኡ ክቐውም ዘይክእል ክንሱ፡ነቶም ናብኡ ዝያዳ ዝቐረቡ ግን፡እሳታዊ ሙቐቱ ስለዝቕንሰሎም ብምጥዓሶም ደሞዞም ካብ ምሕረቱ ይኽልሎም።በዚ መሰረትዚ'ቶም ዝያዳ ናብ እግዚኣብሔር ፍቕራዊ ቅርበት ዘለዎም፡ኣብኣቶም ሙቐታዊ ቁጥዑኡ ዝተቐነሰ ኢዩ፡እቶም ካብኡ ብሓጢኣታዊ ብልሽት ካብ ሕቕፋዊ ጎጆኡ ዝረሓቑ ድማ፡ቁጣዑኡ ዝዓዘዘ ስለዝኾነ ርስነቱ ይብርትዖም።ንኣብነት ኣብ ሲኦል ዘለዉ ነፍሳት ብሰንኪ'ቲ ዝነበሮም ርሕቀት ካብ እግዚኣብሔር፡ቁጥዓዊ ሙቐት ናይ ፈጣሪኦም ስለዝብርትዖም የሕርቀምቅሙ፡፡እዚ ሙቐትዚ ገና ኣብ ምድሪ እንከለዉ ዝጀመረ ሕልናዊ ወቐሳ ኢዩ።ግዝፈታዊ ሙቐቱ ድማ እንዳበርትዐ ይኸይድሞ፡ድሕሪ ምጽኣት ንዘሎ ምስግጋር፡ኣብ ገሃንመ እሳት ፈጺምካ ዘይጠፍእ ፈልጺ ኮይኑ ዓጼፌታ ናይ ሲኦል ይኾኖም።በንጻሩ ድማ እቶም ሕጂ ኣብ ሕቕፊ  ቤተክርስትያን ኮይኖም ምሕረቱ ዝምጠዉ ዘለዉ፡ምሕረቱ ዝዓዘዞም ስለዝኾኑ፡ ኣብኣቶም ሳላ ጣዕሳኦምን ሳላ ምሕረቱን ሙቐታዊ ቁጥዑኡ ዝተቐነሰ ኢዩ።ኣብ እግዚኣብሔር ዘላቶም ፍጽምቲ ኣምልኾን ፍቕራዊት ቅርበትን ድማ፡ድሕሪ ናይ ስጋ ዕረፍቶም ካብዚ ምድሪ፡ዝበለጸት ዕረፍቲ ናይ ሰንበት፡ ከም ግዝያዊት ደሞዝ ኮይና ትኽፈሎም።ኣብዛ ናይ ዕረፍቲ ሰንበትዚኣ፡ እሳታዊ ቁጥዓ ኣምላኽ ርሒቑ፡ ምስጋናን ምጽንናንዕን ጥራይ ካዕቢቱ ይርከብ።ካብኡ ናብኡ ድማ ናብ መንግስተ ሰማያት ንምስግጋር ኣብ ዝግበር ከይዲ ድሕሪ ትንሳኤ ሙታን፡ ኢድ ሰብ ዘይሃነጻ፡ሕልና ደቂ ሰባት ዘይሓለና ብኢዱ ብኢድ ፈጣሪ ዝተሃንጸት መንግስቲ መታን ክወርሱ ፍጽምቲ ደስታዊ ስፍራ የውርሶም።" ኢላ ቤተክርስትያን ኣብ እሳታዊ መለኮት ናይ እግዚኣብሔር ዘለዋ ግንዛቤ እግዚኣብሔር ብዝሃባ ጸጋ ትገልጽ።

ኣብዚ ክልተ ተመሳሰልቲ ክውንነታት ኣነጻጺርና ከነስተውዕል ተኻኢሉ ኣሎ።ፍጥርቲ ጽሓይ፡ምንም እካ ፍጥርቲ ትኹን'ምበር፡ነቶም ካብኣ ኣዝዮም ዝረሓቑ ክፋላት ናይ ምድሪ ሙቐታ ዝያዳ ኣባኣቶም ይኽዕብት።ነቶም ብቅርበቶም ናብ ጎጆኣ ዝተጎዝጎዙ ክፍለ ምድሪ ከበሳታት ድማ፡ሙቐታ ኣብኣቶም ዛሕሊ ኮይኑ ከምቲ ቅዱስ ገብሪኤል መልኣኽ ነቶም ሰለስቱ መንእሰያት ኣናንያ፡ኣዝርያ፡ምሳኤል ዘዝሓለሎም፡ጽሓይ ከኣ ሙቐታ ቀረብታ ሳላዝኾኑ ኣይትትንክፎምን።ብርሃና ግን ኣይንፈጎምን ኢዩ።ብተማሳስሊ ድማ እግዚኣብሔር፡ ኣብቶም ካብኡ ዝረሓቑ፡ብሰይጣን ንምስዓር ብፍታዉም ኢዶም ዝሃቡ፡ትረት ልቢ፡ስንፍና፡ሓጢኣት፡ርኽሰት ወዘተ ብዝኣመሰሉ ናይ ሓጣውእ መቑሕ ዝተኣሰሩ፡ክሳብ ብንስሓ ናብ ሑቕፉኡ ዘይተመለሱ፡እሳታዊ ወቐስኡ ወትሩ ኣብ ናይ ሕልና ውሻጠ ኢዩ።ሙቐት እግዚኣብሔር ጥልቀታዊ ሕልና ስለዘይግድቦ፡ብቐጥታ ኣብ ሕልና ኢዩ ጭላፋዊ ወቐስኡ ዝዝርግሕ፡ናብቶም ብፍጽምቲ ኣምልኾ ዝቐረብዎ ግን እቲ እሳታዊ ምቖቱ ብርሃን ኮይኑ ንሕልንኦም ይደግሖሞ ሕልነኦም ይበርህ።ሕልና እንተበሪሁ ድማ ስጋ ወዲ ሰብ ናብ ሓጣውእ ንኸይወጣወጥ ብብርሃን ገይሩ ይኽልሎ።ሽዑኡ "ጻድቕ ሰብ ሸውዓተ ግዜ ይወድቕ፡ሸውዓተ ግዜ ከኣ ይትንስእ" ኢሉ ክዝምር ይጅምር።
ናብ እግዚኣብሔር እትቐርብ ሕልና ይሃበና።
ስብሀት ለእግዚኣብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።

fredag 30. mars 2018

ኣምልኾ ዝተኸልከሉ ህጻናት፡

በሰመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዲ ኣምላክ።

እዋ! ባባስ ከምዚ ኮይኑ።እንታይ ኢዩ ዝብል ዘሎ፧ "ብዘይበኣኺ ክነበር ኣይክእልን ኢየ"! እንካዕ ማማየይ ኣይትፈልጥ፡እንካዕ ባባ ኣነ ይመዝኖ ምህላወይ ኣይፈልጥ።እዋይ ተክኖሎጂ! ኣብ መመደቀሲና ኮይንና ከም ንመዛዘን ገይርና። ኣደይን ኣቦይን ከመይ ዘይክሰማምዑ ክኢሎም ንምፍትሑ ግድላት ኮይንኒ ዝነበረስ ለካ ጠንቁ እዚ ኢዩ። ኣደይ ምሸት መጸ ኣብ ፌስቡክ መን ፎቶ ፖስት ገይሩ፡መን ኣይገበረን ክትቃመት እተሕልፎ ግዜኣ ቆጺርካ ኣይውዳእን።ኣቦይውን ካልኦት ኣዋልድ ከስድዕ ብዝብል ዝንባለ ዝተኣሰረ እንክመስል፡በቲ ኣብ ቤተክርስትያን ኣገልጋሊ ክንሱስ ኣብዚ ድማ ነፍሲ ወከፍ ምሸት ኣእንጋዲ ደቀንስትዮ ይኸውን።ፌቨን ሓፍተይ ንእሽቶ እካ እንተኾነት፡ኣተሓሳስባኣ ግን ምስ ዕድሜኣ ዝኸይድ ኣይኮነን።ወትሩ ንቤተክርስትያን ክንከይድ ትደፋፋኣኒ ሓፍተይ ኢያ፡ነገሩ ግን ንኸይስዕባ ዝዕንቅጹኒ ብዙሓት ባእታታት ኣሎዉ።ንሳውን ምላልባሽ ብዛዕባ ወለድና ዘይበጽሐቶም ነገራት ስለዘለዉምበር፡ንድሕሪት እትምለሰሉ ግዜስ ርሑቕ ኣይክኸውንን ኢዩ። ኣብ  ኣምልኾ ንኸይህልዉ ተዓንቀጽቲ ዝኾኑ ህጻናት ኣነ በይነይ ጥራይ ኣይኮንኩን፡፡ብዙሓት ከምዝኸማይ ህጻናት ኣብ እምነት ዘለዎም ርእየት ኣሉታዊ ጽልዋ  ብምሕዳር፡ንድሕሪት ከምዝምለሱን፡ምስ ናይ ምዕራባውያን ስነሓሳብ ክርዕሙን ኮይኖም ኢዮም።

" የፍቅረኪ ኢየ! ወይ ጉድ።ኣደይከ ከምኡዶ ትገብር ትህሉ ምስ ካልእ! እንታይ ስንክሳሩ ኢዩ ደቀይ።" ምስ ባባ ዝተፈላለየ ፎቶ ናይ ደቀንስትዮ ፕሮፋይል ብምግባር፡ምስብዙሓት ደቀንስትዮ ናይ ምዝማው ዘለዎ ህርፋን ንምፍላጥ ኮነይ ኢለ ብዝገበርክዎ መጽናዕቲ፡ናይ ሎሚ ምሸት ግን ሕልፍ ዝበለ ኢዩ።"ሕጊ እግዚኣብሔር ከነኽብር ኣሎና፡ዓርኪ ክትሕዚ የብልክን፣ቅድሚ መርዓ ዝግበር ዓርከይ ኣፍቃሪተይ ዝብሉ ቃላት ናይ ክርስትያን ሕጊ ኣይኮነን፡መጽሓፍ ቅዱስ ኣይትዘሙ! ኢሉ ብፍሩይ ቃሉ ይእዝዘና ኢዩ።" ኢሉ ወትሩ ይምዕደኒ ክንሱ ባባ፡ኣነ ናይ ዝተፈላለየ ኣስማትን ስእሊ ፕሮፋይልን ብጥቃም ምሳኡ፡chat ንገብርሞ፡ካብ ሓድሽ ሌላ ክሳብ ናብ "የፍቅረኪ ኢየ፡ክምርዓወኪ ኢየ፡ሓዳር የብለይን፡በይነይ ኢየ ዝነብር"ናብ ምባል የብጽሖ።ኣበይ ደኣሎ እቲ ኣምልኾ እግዚኣብሔር፡ሎሚ ንግሆ ሰንበት ተንሲአ፡ከምዝተጸለኣኒ ንባባ ነጊረዮ።ብኻልእ መንጽር ግን፡ትማሊ ምሸት በታ ሓዳሽ ናይ ጻዕዳ ( Norska) ስም ተጠቒመ ዝተላለኽዎ ምኽንያት ብምግባር ከነዕልል ስለዝቐነና፡ንሎሚ ንግሆ ክንራኸብ ተቓጺርና ነይርና።ባባ ቤተክርስትያን ክኸይድ ከምዘለኒ እካ ምዒድኒ እንተነበረ፡ምሉእ ኣድህቡኡ ግን ናብ ቆጸርኡ ኢዩ ነይሩ።ቦታን ሰዓትን ፈልየ፡ኣዝየ ከምዘፍቀርክዎ፡ንሓዳር ከምዝምነዮ ኮይነ ኢየ በታ ናይ ኖርወጅያዊት ስምን ፎቶን ተጠቒመ ዝተላለኽዎ ናብ ሓደ ቦታ ቆጺረዮ።ኣነ ዝገረመኒ ንዓይ ኣብ ኣምልኾ እግዚኣብሔር ፍጽምቲ ክኾነሉ እንዳደለየንስ፡ከመይ ኢሉ ንሱ ብትግባረ ፍጹም ዝረሓቐ ይኸውን፧ እዚ ንባባ ዝገብሮ ዘለኹ ምትላል ተዝፈልጥሲ እንታይ ኮን ምገበረ።መቸም ብሕጊ ኖርወይ ከምኡ ምግባር ግቡእ ከምዘይኮነ ይፈልጥ ኢየ።ግን ኣብ ሕልናይ ኣትዩ ንሕጊ እግዚኣብሔር ከይክተል ዝቃለሰኒ ዘሎ ሓይሊ ክፈልጥ  ግድነት ኮይኑ ተሰሚዕኒ።ምስ ባባ ብዛዕባዚ ኮፍ ኢልና ንላዘበሉ ባይታ ዝፍጠር ኮይኑ ኣይስምዓንን፡ምላልባሽ ተተፋኒና ክሳብ ትባተኽ እንበጽሓሉ ግዜ ተዘይኣጋጢሙ። ኖ፡ኖ ብፍጹም።ክነግሮ፧ ብጭራሽ ኣይከኣልን ኢዩ!!

ተሃንዲዱ ካብ ገዛ ባድላ ክዳውንቲ ቀያይሩ ብምውጻእ፡ኣብቲ ናይ ቆጸራ ቦታ በጺሑ ደዊሉለይ፡ኣይተቐበልክዎን፡ድምጸይ ቀይረ ሪከርድ ብምግባር ኢየ ወትሩ ድምጸይ ዘስምዖ ነይረ።ከም ኣመለይ ሪከርድ ገይረ ብምስዳድ፡ከምዘይጥዓመኒ፡ነጊረዮ ክኣምን ኣይከኣለን።ተቐላጢፈ፡"ከምተፍቅረኒስከ ሪከርድ መሊእካ ስደደለይ በልክዎ።" "ብዘይብኣኺ ክነብር ኣይክእልን ኢየ" ኢሉኒ።ወይ ጉድ፡እታ ኣብ ቤተክርስትያን ኮይና፡
 "ብዘይ ብኣኻ መን ኣሎኒ፡
ጎይታይ ፍቕርኻ መቂሩኒ፡
ሕግኻ ንዓይ ይመርሓኒ
ፍጹም ዘይልወጥ ጎይታ ኣሎኒ"
ኢላ  ካብ ህጻንነተይ ኣትሒዛ ዝማሬ ዝመሃረኒ ልሳኑ፡ሕጂ ግን ብሓንቲ ኖርወጅያዊት ተማሪኻ፡ብዘይበኣኺ ክነብር ኣይክእልን ኢየ ክትብል ይሰምዓ ኣሎኹ። ዘሰምብድ ፍጻመ ኢዩ።
ኩላቶም ማሓዙተይሲ ከምዚ ከማይዶ የጋጥሞምዶ ይኸውን! ብርግጽ ከኣምበር።ወለዶም ደረፍቲ፡ከመይ ኢሎም ንደቆም ዘመርቲ ክኾኑ ይምነይሎም፡ወለዶም ሳዕሳዕቲ ከመይ ኢሎም ንውሉዶም ኣብ ቤተክርስትያን ወረብትን ሸብሸብትን ክኾኑሎም ይሓስቡ፡ወለዶም ምስቡዙሓት እንዳዞሩ ብፍትወተ ስጋ ተኣሲሮም ክንሶም ከመይ ኢሎም ንደቆም ኣብ ዝሙት ከይወደቑ ክሳብ መርዓኦም ብድንግልና ተዓቂቦም ክነበርሎም ይደልዩ፡እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕልና ናይ ማሓዙተይ ህጻናት ሰፊሩ ዝርከብ ኣጀንዳ ኢዩ።እዚ ኣጀንዳዚ ንእግዚኣብሔር ብፍጽምና ንኸይንስዕቦ ዕንድፍቲ ኮይኑ ከልኪልና ኣሎ።

ማማ ንሎሚ ንግሆ ቤተክርስትያን ክንከይድ ደልያኒ እካ እንተነበረት፡"ተጸሊእኒ ኣሎ" ኢለ ስለዘማኻነኹ ግን ገዲፋትኒ ኢያ ከይዳ።ኣብ ቤተክርስትያን እቲ ወትሩ ዝምህረና ድያቆን፡" ኣብ ዘመነ ስጋውነት ናይ ክርስቶስ፡ህጻናት ሆሳእና ንወዲ ዳዊት" ኢሎም ክዝምሩ ምስ ጀመሩ፡እቶም ወለዶም ግን ካብ ምዝማርን ኣምልኾን ክኽልከሉ ጦቂሞሞም ነይሮም።ክርስቶስ ግን " ነዞም ህጻናት እካ ስቕ እንተበልኩሞም፡ኣእማን ቢታንያ ክዝምሩ ኢዮም ኢልዎም" ብምባል ይምህረና ነይሩ።እዞም ብወለዶም ካብ ኣምልኾ ዝተኸልከሉ ህጻናት፡ካባና እንታይ ዘፍሊ ኣሎዎም፧ ፍልልያቱ ወለዶም ብልሳኖም ኢዮም ከልኪሎሞም፡ወለድና ድማ ብተግባራቶም።እቶም ንሆሳእና ዝኸልከሉ ወለዲ፡ልብሶም፡ኣካይደኦም፡ኣተሓሳስበኦም ኣምለኽቲ ይመስሉ፡ልሳኖም ግን ንናይ ህጻናት ኣምልኾ ይቃወም ነይሩ።እዞም ናይ ሎሚ ወለድና ድማ፡ልሳኖም ኣምልኹ ዝብል ክንሱ፡ልብሶም፡ኣተሓሳስበኦም፡ኣብ እምነት ዘለዎም ናይ ምግባር ትሩፋት ግን፡ንሕና ህጻናት ሓይሊ ረኺብና ንኸይነምልኽ መንደቕ ኮይኑ ከልኪልና'ሎ።ወለድና  ቆረብቲ ዘይክንሶም፡ንዓና ቁሩቡ ክብሉና ፡ከመይ ኣብ ግዜ ማኣዲ እግዚኣብሔር ዘይንውጭጭ።ወለድና ዓርኪ ከይትሕዙ እንዳበሉ፡ንሳቶም ግን ክምርዓዉን፡ክተኣታተዉን እንከለዉ'ውን ከይተረፈ፡ቅድሚ ዝኣገረ ናብ ድላዮም ክዕንድሩ ዝነበሩ፡ ብፍትወት ዝነደዱ እንዳነበሩ፡ንዓና ክሳብ ትምርዓዉ ደናግል ኩኑ ክብሉና፡ ልሳኖምን ትግባሬኦምን ተሓዋዊሱ ስለዝመጻና እቲ ትምህርቲ ኣብ ልብና ከይሰረጸ ይተርፍ።ብድንግልና ናይ ምምባር ዘሎ ሓይልና ከኣ ይልሕልሕ።" ወለደይ ክሳብ ዝምርዓዉ ደናግል ዘይነበሩስ፡ከመይ ኢለ ኣነ ከምኡ ክኸውን"፧ ብዝብል ስንፍና ንኽንውረር ፡ብትግባረኦም ኣንጻር ኣምልኾ ክንዓጥቕ ኣሕሊፎም ይህቡና።

ኤውሮጳውያንን ካልኦት ጸዓዱን፡ንህጻናት ኤውሮጳ ኣምልኾ ናይ ወለድና ንኸይንሕዝ ቀንዲ ጠንቂ ኮይኖም፡ ኣምላኽና ራሕሪሕና ፍኖት ምዕራባውያን ክንክተል፡ከቢድ ተጽዕኖ ይገብሩልና እካ እንተሃለዉ፡ናይዚ ተጽዕኖዚ ቀንዲ ተጸለውቲ ግን ወለድና ብምኻኖም ኢዩ።ኣበይሞ፡ወለደይ ብንስሓ ዝተሓጸቡ፡ወትሩ ሰንበት ሰንበት ቆሪቦም ዝመጹ፡ብፍጹም ኣምልኾ ዝኽተሉ ኣይምኾኑን።ኣብ ውሽጠይ ዘለዉ ናይ ነግ ፈረድ ስምዒታት ንኽርሕቁለይ ግዜ ኣይምወሰደሎምን።ሎሚ ብዛዕባ ቅድስና ብዙሕ ስለዝተማሃርኩ፡ዳርጋ ዝኣክል ኣፍልጦ ሒዘ ኢየ፡ንኹላቶም ሃይማኖታውያን ኣፍልጦታተይ ኣብ ትግባረ ንኸየውዕሎም ዝሓንኮለኒ ግን ወለደይ ተግበርቲ ሃይማኖቶም ብዘይምኻኖም ኢዩ።ምስ ወላዲየይ ተሓቢኤ ክሳብ ክንድዚ ኣብ ምትህልላኽ ክኣቱ ዝደረኸኒ፡ኣብ ገዛና ምስ ማማ ወትሩ ምጭቕጫቕን ዘይምርድዳእን ስለዝኽሰት ኢዩ።ማማ ከተቕንኦ ኢላ ትጽዕት፡ባባ ድማ ከምበርክኻ ከይቀሰነ ይነብር።ለካ ናይ ባባ ልምድታት ኣነ ዝፈልጠሉ ጥራይ ክሳብ ክንድዚ ካብ ኮነ፡ካልኦት ኣንጻር ኣምልኾ እግዚኣብሔር ዝኾኑ ብዙሓት ልምድታት ከይሃለዉዎ ውን ኣይተርፍን ኢዩ።ማማውን ከምኡ።ከመይ ኢልና ደኣ ንሕና ከነምልኽ ይጽበዩና፧ ከመይ ኢልና ንሃይማኖትና ከነጽንዕን ክንትግብርን ይሓስቡና፧ ቅጫስ ብኽልቲኡ ከይበሰለት፡ከይተገምጠለት ከመይ ክትብላዕ ይከኣል፧ ልሳኖምን ትግባሬኦምን ወለድና ብቃል እግዚኣብሔር ከይበሰለ፡ከመይ ኢሎም ንዓና ብመንፈስ ከብስሉና ይጽዕቱ።ወለዶም ንወለድና ማለት ኣቦሓጎታትና፡ መቸም ፍጹም ፍርሓት እግዚኣብሔር ከምዝነበሮም ቀቁሩብ ጽንጽንታ ኣሎኒ።ሕጂ ግን እንድዒ።ብዝኾነ  ፍኖተ ክርስትና ሓንቲ ክትከውን ከምዝግበኣ ይፈልጥ ኢየ፡፡እዚ ክሳብ ክንድዚ ዝምብዝሑ ምንፍቕናታትን ምፍልላያትን ዝኾነሉ ጠንቂ እምበር ለካ ካብዚ ኢዩ ዝጅምር።ሓንቲ ስድራ ሓቀኛ ተኸታሊት እግዚኣብሔር ተዘይኮይና ከመይ ኢሎም እቶም ህጻናት እምነት ወለዶም ኣብ ፍጻምንታ ከብጽሑ ይከኣል፧ ባባ ክመጽእ ኢዩ፡ማማውን ክትመጽእ ኢያ።ክልቲኣቶም ኣብ በበይኑ ዕላማ ውዒሎም ኢዮም ክመጹ።ዝገርመኒ ግን ፈቨን ሓፍተይ ቆሪባ ኢያ ክትመጽእ።

ወስብሀት ለእግዚኣብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።

søndag 4. mars 2018

ናብራ ናፊቐ

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።
ሓደ ሓደ ግዜ፡ምስ ገዛእ ርእስኻ ምጉት ትፈጥረሉ እዋን ኣሎ።ብዛዕባ ምምባር ዝምልከት! ብዙሓት ዝነብሩ ዝነበሩ ግን ዘየለዉ ኣሎዉ፡ብዙሓት ዝነብሩ ዘለዉ ግን ከኣ ዘይክነብሩ ድማ ኣሎዉ ንዓይ ወሲኽካ ማለት ኢዩ።ወድ ሰብ ንክነብረለን ዝተገበአ ኣርባዕተ ዝተፈላለየ በበይነን ዓለማት ኣለወኦ።

እታ ቀዳመይቲ ዓለም፡ጸባብ እትመስል ግን ከኣ ምስ ዕለታዊ ምዕባለ ዕብየቱ ስፍሓታ እንዳወሰኸት እተኸይድ ናብራ ኣብ ማህጸን ኢዩ። ናብራ ኣብ ማህጸን ኣብዚ ዘለኽዎ ዓለም ኮይነ፡ እንታይ እንታይ ይጥዕም፡ኣወንታውን ኣሉታውን ጽልዋታቱ ክትንትኖ ዓቕሚን ተዘክሮን ይሓጽረኒ።"ብዛዕባ ናብራ ኣብ ማህጸን ዝምልከት ቃለ መጠየቕ ( enterviw) ክንገብረልካ ደሊና" ዝብሉ ኣካላት ተዝመጹኒ፡ካብ ሕቶታቶም እንኮ ክምልስ ከምዘይክእል ተረዲኤዮ ኢየ።ሓንቲ ነገር ግን ብድግምጋማዊ ቃል ክምልሰሎም ምኸኣልኩ።" ጥዑም ኢዩ።" ብምባል ጥራይ።እቲ መቐረት ናብራ ማህጸን ብምንታይ መምዘኒ ኢዩዝተለክዐ፡ክምጥኖ ዓቕሚ ኣይክህልወንን ኢዩ።ሃልክን ኣድካምን ከምዘይነበሮ ግን ኣዳዕዲዐ ይፈልጥ ኢየ። ናይ ማህጸን ናብራ፡ከቢድ ኣይኮነን፡ኣይትሰርሕ ኣይትርህጽ፡ኣይትታኸስ ኣይትብዕዝዝ፡ተመቺእካ እትነብሮ ብዘይገዛኽራይ፡ናይ ኤለክትሪክ ከይከፈልካ፡ጸልማት ኣይክውለካ ብርሃንውን ኣይደግሓካ፡ሂወት ተመቺኣትካ ኢኻ እትነብሮ።ናብራ ማህጸን ካብ ጅማሬኡ ክሳብ ፍጻሜኡ ክትትርኾ እንከለኻ፡ሓጸርቲ ኣዋርሕ ዝወስድ ኢዩ፡፡ማለት መጽናዕቱኡ ኣብ ድምዳሜ ንምብጻሕ፡ብዙሕ ኩዕታ ናይ ጎዳጉዲ ዘድሊ እካ እንተዘይኮነ፡መስርሑ ግን፡ብናሽቶይነት ኮይንካ ብምጅማር፡ዓቢ ኮይካ ብምውጻእ ኢዩ።ህጻን ናብራ ኣብ ማህጸን ክጅምር እንከሎ ብንእሽቶ ኮይኑ ኢዩ ዝጅምራ፡እንዳዓበየ ምስ ከደ ድማ፡ንናብራ ማህጸን ራሕሪሑ፡ዓቢ ኮይኑ ይውለድ።ኣብዛ ዓለም ምሳኻትኩም እትሪኡኒ ዘለኹም፡ናብራ ማህጸን ጸሊአ ዝመጻኹ ኣይምሰልኩም።ጉዳይ ተፈጥሮ ኮይኑኒ ተዘይኮይኑ፡፡ሕገ ማህጸን፡ንትሸዓተ ኣዋርሕ ጥራይ ክትቅመጠሉ ጥራይ ኢዩ ዝፈቅድ።ክሳብ 9 ኣዋርሕ ዝኣክል ቀረባት ኣዳልዩ ኢዩ ከንብረካ ዝጅምር።ንኽትነብር ኢልካ እተህልኾ ጽዓት ይኹን ህልኪ ጉልቦት ፈጺሙ የለን።ኩልንትና ወጻኢታትካ ማህጸን ኢዩ ዝሽፍነልካ።ዕለታት ምፍናውካ ምስ ኣኸለ ግን፡ዋላ "ኣብዚ ምንባር ይሕሸኒ" ዝብሉ ዊንታታ ይሃልዉኻ ብዘየማትእ፡ብግዴታ ኢኻ ካብ ማህጸን ክትፋኖ።እቲ ዝገርመኒ፡ናብራ ማህጸን ክትውድእ እንከለኻ፡እታ ኣደን ንስኻ ብጻዕሪ ኢኻ ትስናበት።ማለት ኣደ ንውላዳ ካብ ማግጸና ክወጸላ ዘይድልየታ ምኻኑ ንከተገናዝብ ክትብል፡ብመሪር ልቕሶን፡ሕማም ሕርስን ትሰሓግ፡ህጻን ድማ ካብታ ኣራጢጡ ዝቕመጠላ ዝነበረ ማህጸን እንክወጽእ ብርቱዕ ኣውያት ይድሕድሖ።እዚ ፍጻመዚ ኣዲኡን ንሱን ብዘይፍታዎም ዝከናወን ዘሎ ኢዩ መስለኒ፡ህጻንን ኣደን ናይ ሓባር ኣውያት ገይሮም፡ናብራ ማህጸን የብቅዕ።ንሱ ጥራይ ኮይኑ ከይተርፍ ከኣ፡እታ ከም ዓራትን ሳሎንን ሶፋን ኮይና እትምግቦን ትከናኸኖን ዝነበረ መደሓንቲ ከይተረፈት ምስኡ ካብ ማህጸን ተጎሲሳ ትወጽእ።

እቲ ካልኣይ ናብራ ናይ ወድ ሰብ፡ኣብዛ ምድራዊት ዓለም ኢዩ።ህጻን ነዛ ዓለም ክላለያ እንከሎ  ብኣውያትን ልቕሶን ሓዊሱ ስለዝመጻ፡ዓለም ኣዝያ መራርን ብዙሕ ሃልውኽለኽ ዘለዋን ምኻና ዝተረደአ ይመስል።ኣብዚ ጉዳይዚውን ዝገርመኒ ነገር ኣሎ።እቶም ናይ ምምጽኡ ዜና ሰሚዖም፡ክሳብ ዝውለድ ከብዶም  ፍርሕን ስግኣትን ተሓቒኑ ዝጽበይዎ ዝነበሩ፡መቕረብን ቤተሰብን፡ዕልልታትን ኣዝማች ዝተሓወሶ ጣቕዒትን ገይሮም ይቕበልዎ።"ንዓለምሲ፡እንካዕ በይንና ንነብራ ኣይኮንና፡እንካዕ መናብርቲ ረኸብና፡ምስ ሰብካ መዓት ዳርጋ ገዓት ኢዩሞ፡እንካዕ መጸኻና" ኢሎም ናይቲ ቆልዓ ድሓን ምውጽኡ በቲ ሓደ ወገን፡ነታ ክትጸዓርን፡ብሕማም ሕርሲ ክትቅሎን ዝሓደረት ኣዲኡ ድማ፡ገዲፋቶም ከይትኸይድሞ፡ነዛ ዓለም በይኖም ሕልምልም ከይኮኖም ዝሰግኡ እንክመኣሉ ድማ በቲ ካልእ ወገን፡ኩሉሙሉ ብድሓን ስለዝተዛዘመ፡"ንስኺውን እንካዕ ገዲፍክና ኣይከድኪ፡በይንና ሕልምልም ክንብል፧ መን ክኽእሎ፧" ብምባል ኢዩ መስለኒ፡ነዚ ኣብዛ ዓለም ዝርከብ ኣሉታውን ኣወንታውን ክውንነታት መባዝሕቲ ስለዝረኸቡ፡ኣብ ግዜ ሕርሲ ነቲ ህጻን ብሓጎስ ይቕበልዎ።ኣብ ዓድና፡" ተሓቢአን ዝጠንስኦ፡ህዝቢ ኣኪበን ይሓርስኦ!" ዝብሃል ብሂል ኣሎ።እታ ኣደ ዋላ ብዘይሕግን ብዘይኣገባብን ተሓቢኣ ዝጠነሰቶ ይኹን፡ምላልባሽ ኣብ ግዜ ጥንሱ ብዘይጉቡእ ስለዝተጠንሰ፡እታ ኣደ ኣብቲ ሕብረተሰብ ብዙሕ ተነጽሎታት ከጋጥማ ይኽእል ኢዩ።ኣብ ግዜ ወሊድ ግን ኩሉሙሉ  ስለዝርሳዕ ኣሕረስቲ ህዝቢ ኣኪብካ ኢዩ።ድሕሪ ሕርሲ ግን ነታ ኣደ ተነጽሎ፡ነቲ ህጻን ድማ" ኪድ ወዲ ሰበይቲ" እናተባህለ፡ፍጹም ንፍገት ይግበረሉ።ነዚ ተነጽሎዚ፡እቲ ህጻን ኣካል ናይቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ናብራ ምካኑ ተረዲኡ ኣቐዲሙ ናብዛ ዓለም ክመጻ እንከሎ፡ስለዝበኸየሉ፡ሕጂ ዘይተሓነቕኩ፡ናብ ማህጸን ምለሱኒ ኢሉ ዘግረምርመሉ ምኽንያት የብሉን።ኣብዛ ዓለም ንዘለዉ ነገራት ፈትዩ ኣይፈትዩ ወይ በፍንጫ፡ወይውን ብድፋጫ ክቕበሎም ይግደድ።ከምቲ ናብራ ማህጸን ሓጺርን ምቁርን ዝኾነ፡ናብራ ዓለም ድማ ብዙሕ ሕልኽላኻትን ግድላት ዝበዝሖም ነገራትን ሓሊፉ፡ነዛ ብብኽያት ዝተቐልቀላ ዓለም ክፋነዋ ግድነት ይኸውን።መጽሓፍ ቅዱስ ክዛረብ እንከሎ፡ዕድሜና 70 ዓመት ተበዚሑ ከኣ 80 ዓመት ኢየ።እዚውን ድኻምን መሪርን ኢዩ ይብል።ሪኤኹም፡ምምባር ኣብ ማህጸን 9 ኣዋርሕ ናይ ዓለም ግን 70-80-90 ዓመታት።ካብ ማህጸን ንምውጻእ ብዘይድሌታትካ፡ካብ ዓለም ንምፍናው ድማ ብዘይፍታውካ።እቶም ካብ ማህጸን ናብ ዓለም ምምጻእካ ኣሕጊስዎም ዝዕልሉ ዝነበሩ ቤተሰብ፡ሕጅውን ስለዘይጸገቡኻ፡ማለት ኣብዛ ዓለም ተማቓሊ ሽግራቶም ክትከውን ስለዝደልዩ፡ብመሪር ልቕሶ ይፋነውኻ።ብፍላይ እታ ኣብ ማህጸና ን9 ኣዋርሕ ዓቒራትካ ዝነበረት ኣደ፡ካብ ዓለም ክትፋኖ ፍጹም ኣይትደልየካን ኢያ።እንተስ ተሓኒቖም፡ወይ ገዛእ ርእሶም ቀቲሎም ዝሞቱ ኣሎዉ፡፡ውሽጦም ግን ናብራ ዓለም እንዳበሃገቶ ስለዝነበረት፡ንዓለም ከይመነውዋ ይፋነውዋ።

ሳልሳይ ናብራ ኣብ መቓብር ኢዩ፡መቓብር ክትህነጽ እንከላ ማዕቐንካ ኮይና ክትስራሕ ነይርዋ።መንጸፍካን ኣንሶላኻን ብዙሕ እትኸፍሎ ዋጋታት ኣይክህሉን ኢዩ።ኣብዚ ንኽግረም ዘገድድነኒ ነገር እንተሃልዩ፡ማህጸንን መቓብርን ይመሳሰላ ብምኻነን ኢዩ።ኣብ ክልቲኣተን ንእትነብሮ ናብራ ኩሉ ወጻኢታት ካብ ጁባኻ ኣይኮነን።እዚ ጥራይ ዘይኮነውን እትውንኖ፡ናተይ እትብሎውን ቅንጣብ ሕርካም የለን።በንጻሩ ናብራ ማህጸንን መቓብርን ዝቃረናሉ ኩነትውን ኣሎ።ኣብ ማህጸን ክትነብር ክትጅምር እንከለኻ፡ግዝፍኻ እንዳወሰኸ፡ህጥራንካ እንዳሰፈሐ ኢዩ ዝመጽእ፡ኣብ መቓብር ንዝንበር ናብራ ግን፡ ብገዚፍካ ኢኻ ትጅምሮ።እንዳተወዳእካ፡እንዳሓቐቕካ ስለእትኸይድ ድማ፡ኣብ መወዳእታ ዳርጋ ናብታ ጥንታዊት ፍጥረት ኣዳም፡ናብ ሓመድ ትልወጥ።"ኦ ኣዳም፡መሬት ኣንተ ወትገብእ ውስተ መሬት" መሬት ኢኻሞ ናብ መሬት ክትምለስ ኢኻ፡ዝብል ዝነበረ ቃጭል ብዓይንኻ ክትርእዮ ትጅምር።ኣብ ማህጸን ዝተሰነጉ ብዙሓት መግቢ ካብ ሰብነት ናይታ ኣደ መመዚዞም ዝምግቡኻ፡ንርስሓታትካ ንደገ ንምግሓፍ ድማ፡ብመንገዲ ርሃጽን ስርዓተ ዙረት ደምን ኣቢሎም ንደገ ዝወጹን ንኣሽቱ ዋህዮታት (Celles)  ኣሎዉ።እዚኣቶም ንስኻ ክሳብ እትዓቢ ንናይ ዕብየትካ ርእየት ዓቢ ተራ ዘለዎም ኢዮም።ኣብ መቓብር ግን በንጻሩ ኢዩ።ኣብ ውሽጡ ዝተሰነጉ፡ንዓኻ መመጅሪጦም ንሓመድ ዝዕድሉ ደቀቕቲ ናይ መቓብር ዋህዮታት ኣሎዉ።ንስኻ ክሳብ ሓመድ ኮይንካ እትሓቅቕ ከኣ ይገድፉኻን።ንዓኻውን  እንክትብላዕን ከምዘይነበርካ ክትሓቅቕን እንከለኻ ኣይፍለጠካን ኢዩ።

ራብዓይ ናብራ።ዘመናት ዘይልክዕዎ ናብራ።ናይ መወዳእታ ብይን ዝወሃበሉ ናብራ።ከምዚ ኢዩ፡እዚ ይጎድሎ፡እዚባ ተወሲኽዎ ኢልካ ግላዊ ርእይቶኻ ክትህበሉ ዘይትኽእል ናብራ።ናብራ ኣብ መንግስተ ሰማያት ወይውን ኣብ መንግስተ እሳት ኢዩ ክኸውን።ናብዚ እትወትዚ ንምብጻሕ፡ወሳንነቱ ንስኻ ኢኻ።ድማ ኣብዚ ኣብ ምድሪ ኮይንካ ኢዩ።ኩላቶም ኣብዛ ዓለም ዝነበርካዮም ክውንነታውያን ነገራት ዶሞዝካ ንምኽፋል ተባሂሉ ዝተሰርሐ ዓለም ኢዩ።እዘን ዓለማት እዚኣትውን ክልተን ተቓረንትን ኢየን።ናብ ክልቲኣተን ንምእታው ዘብቅዕ ነጥቢ (Karakter) ሒዝካ እንክትጸንህ፡ ኣብዛ ዓለም ዝነበርካለን እዋናት ምኽንያት ኮይነይ እትኽፈለን ናይ ዶሞዝ ዓለማት ኢየን።ገሊኣቶም ነታ ሓንቲ ዓለም፡"ብምሒር ጋሂ ኣስናንካ እትሕርቅመላ ዓለም!" ኢሎም ይሰምይዋ።ኣብኡ ምንባር ኣዝዩ ስለዘፍርሖም መዳፍርቲ ንክኾንዎም፡ንደቂ ሰባት ብብዙሕ ጥበራን ተንኮልን እናታለሉ ደቀመዛሙርቶም ክገብርዎም ብምባል ተሃኪይዎም ኣይፈልጥን ኢዩ።ደቀመዛሙርቲ ሲኦል!!ነታ ሓንቲ ዓለም ድማ እቶም ሓደ ወገን፡" ናይ ዕረፍትን ዝማረን ደስ እትብለካ ዓለም!!፡ማህጸን ጥዑም ናብራ ዘለዋ እካ እንተኾነት እዛ ዓለም እዚኣ ግን ዕድመ ናብራነታ ገደብ ዘየብሉ ብርሃናዊት ዓለም!!" ኢሎም ይስይምዋ።ኣብኣ ተፈጥሮኣዊ ብርሃን ኣይከድልን ኢዩ።ፈጣሪ ባዕሉ ኢዪ ብርሃና፡ኣብኣ ተፈጥሮኣዊ መግቢ ኣይከድልን ኢዩ፡ባዕሉ እቲ ሰራሒኣ ኢዩ መጋቢኣ።ኣብዛ ዓለምዚኣ ዘሎ ናብራ ምስጢር ኢዩ።ሕልና ይኹን ልቦና መርሚሩ ክበጽሖ ዝኽእል የለን።እረ እንኮላይ ነታ ሓንቲ።ናይ ክልቲኣተን ናብራ፡ኣሉታውን ኣወንታውን ጎድንታት ሒዘን ስለዝርከባ፡ነታ ኣሉታዊት ዓለም ዝኾነት ገሃንመ እሳትን፡ነታ ብእወታዊ ዝተኸበበት መንግስተ ሰማያትን፡መርሚርካ ክብጽሓ ዝከኣላ ኣይኮናን።ሕልና ወዲሰብ ግን ሓንቲ ነገር ክትፈልጥ ይከኣላ።ካብዛ ዓለም ከይፈተወ ክፋኖ፡ብድሕሪኡ ድማ ከቢድ ቅጽዓት፡ወይ ብርቱዕ ሞሳ ክወሃብ ምኻኑ።እቲ ሕልንኡ ዝሸጠ ሰብ ግን ክልቲኣተን እዘን ዓለማት እዚኣተን ተሰዊረንኦ ኢዩ ዝነብር።ስለዚ ዕድሉ ከቢድ ኢዩ።እረ ከቢድ ጥራይ ኢልካ ዝሕለፍውን ኣይኮነን!!

ኣብዘን ኣርባዕተ ዓለማት ንምምባር ምሉእ ዕድላት ከምዝተዋህበና ጽቡቕ ገይሩ ተረዲኡኒ ኢዩ።ኣበየነይቲ ዓለም  ትሕሸኒ ኣየነይቲከ ኢያ ዘይትሓሽ፡ንምምርማር መታን ክኽእል ድማ ምሉእ ዕድል ዝረኽበሉ ኣብዛ ዓለም ኮይንካ ዘሎ ናብራ ኢዩ።እዚ ሚዛናዊ ምርጫዚ ንባዕሉ ኣካል ናይቲ ኣብዛ ምድሪ ዘሎ ናብራ ኢዩ።ሰብ ኣብ ምድሪ ይነብር ኣሎኹ ይብል እንተሃልዩ፡ብዛዕባ ሎሚ ጥራይ ኣይኮነን ክሓስብ ዘለዎ።ብዛዕባ ትማልን ጽባሕን ከኣምበር።ምኽንያቱ ትማልን ሎምን ኣካል ናይ ናብራ ኢየን።ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ጽባሕ ምሕሳብ፡ኣብ ውሳነታትካ ዘየጣዕስ ውሳነ ንኽትውስን ዝሕግዝ ባእታ ሂወት ኢዩ።ሓወይ ይነብር ኣሎኹ ትብል እንተሃሊኻ፡ካብታ ግዜ ልደትካ ክሳብታ ግዜ ቀብርኻ ክትሓስብ ግቡእካ ኢዩ።ድሕሪ ቀብሪ ዘሎ ዓለም ዶሞዝካ እትሓፍሰሉ ዘመን ስለዝኾነ፡ኣብዚ ምህላውካ ንባዕሉ ደሞዝካ እንዳኣወሃለልካ ኢኻ።ሕማቕ ክፍሊት ንክትከፈል ዝወሰንካ እንተኾይንካ፡ሕጂ እቲ ስራሕ ጀሚርካዮ ምኻንካ ኣይትዘንግዕ።ድሕሪ ቀብሪ ዘሎ ናብራ ጥዑም ናብራ ንክኾነልካውን እቲ ውሳነ ካብ ሕጂ ኢዩ ዝጅመር።ሕጂ ደኣ ወስን እምበር ድሕሪ መቓብር ኣይኮንካ ውሳነታት ክትህብ።ሽዕኡ ናይቲ ዝሸቀልካዮ ደሞዝ እትኽፈለሉ ዕለትምበር፡ንክትነብር እትውስነሉ ግዜ ኣይኮነን።ዓንተዎኻ ተዓረ።ክሳብ ዝምርዓዉ ጥራይ ዝሓስቡ ኣሎዉ፡ገሊኣቶምውን ክሳብ ዝወልዱ፡ብካልእ ወገን ክሳብ ትምህርቲ ዝውድኡ፡እነገሊኦም ክሳብ ደቆም ዘዕብዩ።ድሕሪኡ ዘሎኸ ምስ ምንባር ኣይቁጸርን ማለት ድዩ፧ እረ ክሳብ ሽዑኡ ከምትነብርከ እንታይ ውሕስነት ኣሎካ፧ መጀመርያ ስለጽባሕ ምሕሳብ ጽቡቕ ምኻኑ ውሽጥኻ ክቕበሎ ኣላማምዶ።ስለጽባሕ ሕሰብ ማለተይ ግን ክሳብ መቓብር ጥራይ ከምዘይኮነ ግምት ይሃልኻ።ኪኖ መቓብር ዘሎ ክውንነትከ ንከይትሓስበሉን ኣብቲ ድሕሪ መቓብር ዝከናውን ህሞት ተሓቲትካ መላሲ ኮይንካ ኮይንካ እትዕወተሉን መገዲ ንኸይተጣጥሕ ዝኽልክለካ እንታይ ኢዩ፧ክነግረካ ኣብዘን ኣርባዕተ ዓለማት ንምምባር ውህብቶ ኢዩምበር ኣብዚ ይሕሸኒ ኣብዚ ኣይደልን ኢልካ መሪጽካ እትኣትወን ኣይኮናን።ኣብተን ድሕሪ መቓብር ንዘለዋ ክልተ ተቓረንቲ ዓለማት ንምእታው ግን ብምርጫኻ ንምእታ ሕጂ ምሉእ ሓላፍነት ኣሎካ።ምረጽ፡ንስኻን ቤትካ ንመን ከምተገልግል ምረጽ፡ንዓናይ ክብሉኻ እንከለዉ ወሲንካ ዘየጣዕስ ውሳነን መልስን መልስ።ናብ ቤት ሓጎስ ተኾይኑ፡" ናብ ቤት ሓጎስ ንዓናይ ምስ በሉኒ ተሓጎስኩ!" ኢልካ ዘምር።ትንሳኤኻን ጽቡቕ መጻኢኻን ክርእዩ 99 ነገድ፡ውድቀትካ ከይርእዩ ከብዶም ሓቒኖም፡ትንሳኤኻ ንምርኣይ ድማ ልቦም ብዕልልታ ተኸቢባ ይዕዘቡኻ ኣሎዉ።ወዮ ደኣ ኣይርደኣካን ይኸውን እምበር፡እቶም ስለውድቀትካ ዝምነዩ ኣጋንንቲ፡ቁሩብ ዕድል ከምዘላቶም ፈሊጦም ብብርቱዕ ቁጡዓ ወሪዶም፡ኣብ ከባቢኻ ከም ዝጋዝም ኣንበሳ ይሕነንዩ ምህላዎም'ዩ።
እዝግዚኣብሔር ኣምላኽ ከምታ ካብ ማህጸን፡ ብሰላም ክንውለድ  ፍቓዱ ዝኾነ፡ሕጂውን ናብታ ኣእዳዉ ዝሰርሓኣ ሰማያዊት ቤት ንምእታው ምሉእ ፍቓድ ሂብና ኢዩሞ፡ሓይሊ መንፈሳውነትና ኣነቓቒሑ ብዛዕባኣ ጥራይ ንምሕሳብ ከኽእለና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን ኣሜን።
ወስብሀት ለእግዚኣብሔር።
ሼር።

søndag 25. februar 2018

ምኲራብ- 3ይ ሰንበት ናይ ጾም ኣርብዓ

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን። እዛ ሰንበት እዚኣ ቅዱስ ኣቦና ያሬድ ማህሌታይ ኣብቲ ዱጋ ዝብሃል መጽሓፉ፣ በቲ ካብ ሰማያዊ ስርዓት ዝተዋህቦ መንፈሳዊ ጸጋ፣ምኲራብ ኢሉ ሰየማ።ምኲራብ ማለት፣ቤተ ጸሎት፣ቤተ ተግሳጽ፣ መንፈሳዊ ኣስተምህሮ ዝወሃበሉ ቤት ማለት ኮይኑ፣እስራኤላውያን ኣብ ምርኮ ባቢሎን እንከለዉ ዘተኣታተዉዎ ስፍራ ኢዩ።እዚ ምኲራብ'ዚ መንፈሳዊ ጉባኤታቶም ንምክያድ፣ንኣሽቱ ደቆም ትምህርቲ ሃይማኖት ንምስትምሃር፣ብኻልእ መንጽር ድማ ቤተ መቅደስ ኣብ ኢየሩሳሌም ጥራይ ስለዝነበረት፣ንሳውን ሓንቲ ብሓንቲኣ ዓንያን ፈሪሳን ስለዝነበረት፣ኣብ ምርኮ ኮይኖም መንፈሳውነቶም ዘከናውንሉ ስፍራ ዝሰረትዎ ኢዩ።እዚ ከኣ ብፍታው እግዚኣብሔር ኢዩ።ምኲራብ ከምታ ናይ ኢየሩሳሌም ቤተ መቅደስ፣ መስዋእቲ ናይ ኦሪት ዝፍጽምሉ ስፍራ ኣይኮነን፣ከምዚ ናይ ሓድስ ኪዳን ድማ ስጋ ወልደ እግዚኣብሔር ዝፍተተሉ ኣይኮነን፣እንታይ ደኣ ምስቲ ዝነበሮም ተሪር መግዛእቲ ካብ ኣምላኾም መታን ጨሪሶም ከይባተኹ፣ብኸፊሉ ተኣኪቦም ኣምልኾኦም ዝፍጽምሉ ስፍራ ኢዩ ።ብዛዕባዚ ድማ ብቅድሙ ትንቢት ነበረ። << ኣነ እግዚኣብሔር ከኣ ተጻረርክዎም፣ናብ ምድሪ ጸላእቶም ሰደድክዎም።ሽዑ እቲ ዘይግዙር ልቦም እንተ ኣትሓቱ፣ቅጽዓት ሓጢኣቶም እውን እንተ ተቐበሉ፣እነ እግዚኣብሔር ድማ እቲ ምስ ያዕቆብን ምስ ይስሐቅን ምስ ኣብርሃምን ዝኣቶኽዎ ኪዳነይ እዝክር፣ነታ ሃገር እውን እዝክራ።ነታ ሃገር ኪሓድግዋ ኢዮም እሞ፣ንሳቶም ከየለዉ ዓንያ ከላ ብዕረፍታ ባህ ይብላ፣ንሳቶም ከኣ ትእዛዛተይ ስለዘቃለሉን፣ ሕግጋተይ ስለዝፈንፈኑን፣ቅጽዓት ሓጢኣቶም ኪቕበሉ ኢዮም።እዚ ክነሱ እካ ኣብ ምድሪ ጸላእቶም ከለዉ፣ፈጺመ ከጥፍኦም ኢለ ኣይድርብዮምን ኢየ፣ኣይፍንፍኖምን ድማ ኢየ።ኣነ እግዚኣብሔር ኣምላኾም ኢየ እሞ ነቲ ምስኣቶም ዝኣቶኽዎ ኪዳን ኣየፍርሶን ኢየ።ኣምላኾም ምእንቲ ክኸውን ኢለ፣ ነቲ ካብ ግብጺ ኣብ ቅድሚ ህዝብታት ከውጽኦም ከለኹ ምስ ኣቦታቶም ዝኣቶኽዎ ኪዳን ክዝክር ኢየ። ኣነ እግዚኣብሔር ኢየ።>> (ዘሌ26፣41-45) ንዝብል ትንቢት፣እስራኤላውያን ብሰንኪ በደሎም ንዝወረዶም ቅጽዓት፣ኣብ ምርኮ ባቢሎን ኮይኖም፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እቲ ዝቕመጥሉ ዝነበሩ ኣከባቢ ምኲራባት ገበሩ። ካብኡ ቀጺሉ ድማ ናብ እስራኤል ምስተመልሱ፣ብብዝሒ ምኲራባት ከፊቶም ንደቆም የስተምህርሉ ነበሩ።ቅዱስ ያሬድ፣ነዛ 3ይቲ ሰንበትዚኣ <ምኲራብ> ዝበለሉ ምኽንያት ግን፣ቅዱስ ኣምላኽና ኣብ ዘመነ ስጋውነቱ፣ኣብ ምኲራባት ከከይዱ ብምምሃሩ፣ሕሙማት ብምፍዋሱ፣ንዝተጋገዩ ብምግሳጹ፣ንቅኑዓት መንገዶምን እምነቶምን ምንኣዱ፣ንምዝካርን ንምስትንታንን ኢዩ።ነዚ ኢዩ፣
"ሰላም ለመከየድከ አሐዱ አሐዱ ውስተ ቤተ መቅደስ ለምህሮ እለ ገይሰ ለመዱ።" " ሓደ ሓደ ተባሂለን ንምስትምሃር ናብ ቤተ መቕደስ ምግስጋስ ዝለመዳ ኣእጋርካ ሰላምታ ይግባእ" ተባሂሉ ኣብ መልክዐ ኢየሱስ ዝተጻሕፈ።<< ማቴ4፣23 ኢየሱስ ድማ ኣብ ኩላ ገሊላ፣ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ እናመሃረ፣ብስራት መንግስቲ እግዚኣብሔር እናሰበኸ፣ኣብ ሕዝቢ ዘሎ ዓይነት ሕማም እናኣሕወየ ይዘውር ነበረ>> ይብለና። ቅድሙ ኣብ መላእ ዓለም መስዋእት ሕሩድ ዝግበረላ ሓንቲ ቤት መቕደስ ጥራይ ኢያ ነይራ፣ እዚ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ኢያ፣፣ንሳ እታ ቅዱስ ሰሎሞን ዝሃነጻ፣ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን ድማ እዝራን፣ነሄምያን ካልኦት ቅዱሳንን ዝሃነጽዋ ቤት መቕደስ ኢያ።ሕጂ ግን ኣብ እስራኤል ብዙሓት ንኣሽቱ ምኲራባት ነበራሞ ኣብዚኣተን ከከይዱ ዕላማ ምምጽኡ የበስረን ነበረ።
ብካልእ መንጽርውን ነዛ ምኲራብ ክንዝክር እንከለና፣ኣማናዊት ምኲራብ ብዛዕባ ቤተክርስትያን ስለዝኾነት፣ምኲራብ ጽላሎት ኮይና ናብ ሓዱሽ ኪዳን ተቐልቀለት።ከምቲ ብዙሓት ምኲራባት ዝነበራ፣ቤተክርስትያን ድማ ኣብ መላእ ዓለም ክርስትያን ኣብዘለውሉ ብስም ክርስቶስ ኣብ ዝተኣከብሉ፣ከምቲ ነቦና ቅዱስ ሙሴ ዝኣዘዞ፣ቅዱስ ታቦት ቀሪጻ ንደቃ ፍጹም ኣምልኾ ከምዝፍጽሙ ትገብሮም ቤተክርስትያን።ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ፣ከምቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን፣<< ንኣኻትኩም ኣብ ጽዮን ፣ኣብቲ ቅዱስ እምባይ ከምጽኣኩም ኢየ፣ዝሓርር መስዋእታትኩምን መስዋእትታት ሕሩድኩምን ኣብ መሰውዕየይ ቅቡል ክኸውን ኢዩ፣ከመይ ቤተይሲ ንኹሎም ኣሕዛብ ቤት ጸሎት ተባሂሉ ክስመ ኢዩ።ኢሳ 56፣7>> ተባሂሉ ዝነበረ፣ኩሎም ኣህዛብ ወይውን ዘይኣመንቲ፣ ድማ ኣቐዲሞም ቤት ጸሎት ይኩን ቤተ መስዋዕቲ ስለዘይነበሮም፣እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንኹላቶም ደቁ ኣኻኺቡ ፍቕሩ ዝምጥወሉ ዘመን ከምዝኣኸለ፣እዚ ድማ ኣብ ሓንቲ ውስንቲ ስፍራ ኣብ ኢየሩሳሌም ጥራይ ዘይኮነስ፣ኣብ ምሉእ ዓለም ቤተክርስትያን ክትስፋሕፋሕ ምኻና ከረድኣ እንከሎ፣<< ኣቲ ሰበይቲ ኣምላኽ መንፈስ ኢዩ፣እቶም ዝሰግድሉ ከኣ ብመንፈስን ብሓቅን ክሰግድሉ ይግባእ።ዮሐ 4፣24>> ኢሉ ንህላውነት ቤተክርስትያን ኣብ መላእ ዓለም ምኻኑ ኣበሰራ።ኣምላኽ መንፈስ ኢዩ፣ዝበለ ኣብ ኩሉ ኢዩ ዝርከብ እምበር፣ኣብ ኢየሩሳሌም ወይ ኣብ ጎቦታት ሰማርያ ጥራይ ኣይኮነን፣ኣብ ኩሉ ዝርከብ ተኾይኑ ከኣ ኣማናዊት ቤተ ምኲራብ ኣብ ኩሉ ዓለም ብሓቅን ብመንፈስን ዝስገደላ ቤተክርስትያን ክትስረት ምኻና ገለጸላ።
ሰለዚ እዛ ሰሙን እዚኣ ብዛዕባቲ ኣብ ቤተ ምኲራብ ዝተዋህበ ኣስተምህሮ ምስ ሂወትና ነስተንትነሉ፣ብዛዕባዛ ሕጂ ዘላ ኣማናዊት ምኲራት ፣ስግኡን ደሙን ዝፍተተላ፣ኣማናዊ ኣምልኾ ዝፍጸመላ ቤተክርስትያን ድማ መዓልታዊ መመጺና በረኸት ከተውህብን ካብ ሓጢኣት ዓለም እትኣልን ምኻና ፈሊጥና የእጋርና ናብዚኣ ክነገስግሰንን ኣብ ኣምልኾና ክንጸንዕን እተተሓሳስበና ሰሙን ኢያ ሰሙነ ምኲራብ።ብተወሳኺውን ከምቲ እስራኤላውያን ኣብ መከረኦምን ስደቶምን ምኲራባት ሃኒጾም ንደቆምን መንፈሳዊ ኣስተምህሮ ዝህቡ ዝነበሩ፣ንሕናውን ኣብ ዝሃለናዮ ንሃሉ፣ኣብ ዝኸድናዮ ንኺድ ብዘየገድስ፣ቤተክርስትያን ናይ ድሕነት መሰረት ስለዝኾነትን ብዘይ ቤተክርስትያን ድማ ኣምልኾ ፍጽምና ስለዘየብሉ፣ቤተክርስትያን መንፈሳዊ ኤምባሲ ምኻና ተረዲእና፣ቤቱ ሃኒጽና ንደቅናን ደቂ ደቅናን ኣምልኾ እግዚኣብሔር ክነስንቖም ምኻንና እተተሓሳስበና ሰሙን ኢያ።እዚኣብሔር ኣምላኽ ኣብ ቤቱ ክሃንጸና፣ንሕና ድማ ስለቤቱ ክንሓስብን ቅንኣት ክሓድረናን ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን። ምስጋና ንኣብ ምስጋና ንወልድ ምስጋና ንመንፈስ ቅዱስ ኣሜን።

fredag 23. februar 2018

ዝምታ ንክርስትናውነት ብርስፔክትነት፣-





በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።
ኦ ክርስቶስ ኣምላኽና ፈጣሪና መሓረና፣ኦ ክርስቶስ ኣምላኽና ፈጣሪና መሓረና፣ኦ ክርስቶስ ኣምላኽና ፈጣሪና መሓረና፣ ኣሜን። 
ሓደ ግዜ ኢዩ፣ዓመታዊ በዓል ስለዝነበረ፣ብኣዝዩ ድሙቕን ቅዱስን ዝኾነ ኣበዓዕላ መታን ከነኽብር መምህርና ነዊሕን ኣህላኽን ናይ መዝሙር ልምምድ መሃረና።ኣሸባሽባን ኣዘማምራን፣ኣብ ዓውደምህርተ እትቖሞሉ ስርዓትን ኩሉ 100% ክኾውን ኣሎዎ ብዝብል ነዊሕ ጻዕሪ ይጽዕረልና ነይሩ።ኩሎም እቶም መዛምራንውን እንተስ ብስጋውነት እንተስ ብመንፈሳውነት ኩላቶም ብምልኣት መዝሙር ኣጽኒዖም ናብቲ ቅዱስ ክብረ ዓመታዊ በዓል ተኣኻኸቡ።
ብደገ ኮይንካ ክትዕዘብ እንከለኻ ንመልኣኽቲ ዘምስል ጽሩይ ኣለባብሳ ልብሰ ቅድስና ተለብሰ፣የእዳው ንሸብሸቦ፣ጎሮሮ ንጣዕማ ዜማ ተሰማሚዖም ኢዮም።በቲ ዝተዋህበና መስርዕ ተሰሪዕና መዝሙር ምስጋና ንእግዚኣብሄር፣ንድግል ማርያም፣ነቲ ክቡር ዕለት ዝምልከት ምስ ዘመርና፣መዛሙራን በበታኹም ተባሃልና።ቀስ ኢልና በብተርታ ክንወጽእ ጀመርና፣መቸም ሰባት ስለዝኾንና ብዙሕ ዘንቅፍ ሰሪሕና ንኾውን ኢና።ክርስትያን ብፍላይ ኣብ ኣገልግሎት ተጸሚዱ ስለዝርከብ፣እንታይ መንቅብኮን ቲህልወኒ ኢሉ ነፍሱ ኣብ ቅድሚ ፍርዲ እግዚኣብሄር ከቕርባ ኢዩ ዝግባእ።እዛ መዓልቲ እዚኣ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ፍርደይ እንተትኾውንሲ እንታይ ግብሪ ጽድቂ ሒዘ ኢየ ክርከብኮን፧ቅዱሳን ነብያት ልደት ክርስቶስ ይጽበዩ ስለዝነበሩ፣ዳግማይ ልደት ካብ እግዚብሄር ንዀወሃበ እምበር፣ፍርዲ ኣይኮኑን ዝጽበዩ ነይሮም።ክርስትያን ግን ንክርስቶስ ኣብ መብልዒ ማል ተወሊዱ ሰማያዊት ልደት ንኽህቦም ዘይኮነስ፣እቲ ዝወለዶም ብፍርዱ ንኽግለጾሎም ኢዮም ዝጽበዩ።ኣብዛ ዓለም ዘሎ ሰናይ ይኹን ክፉእ ግብሪ ኩሉ መደምደምታ ዝኽተመሉን፣ብዪን ብመንበረ ጻብኦት ብክርስቶስ ኢዮሱስ ዝወሃበሉን ዕለት ርሑቕ ኣይኮነን።ነዚ ክርስትያን ኢዮም ዝጽበይዎም።ነብያትን ክርስትያንን ዘማሳስሎም ክልቲኦም ምጽኣት ክርስቶስ ምጽባዮም ኢዩ፣ነገር ግን ክርስትያን መዓልታዊ ምንቅስቓሱ ምስ ምምጻእ ክርስቶስ እንዳታኣሳሰረ፣ምጽኣቱ ሕጂ እንተኾነትሲ እንታይ ሒዘ ኢየ ክጸንሕ ኢሉ ምስ ኣብነፍሱ እንዳተዛራረቡ ሂዎቱ ንእግዚኣብሄር ኪዉፊ ክህልዎ ከሎ ኢዩ።
ኣብቲ ዝተገብረ ናይ በረኸት መዝሙር፣ንሕና ዘይፈለጥናዮ ብዙሕ ጉድለት ክነብር ይኽእል ነይሩ፣ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣገልግሎት ኣነስ መን ኮይነ ኢየ ኣብዚ ኣገልግሎትዚ በቒዐ ዘለኹ፣ብሓቂ ድየ ምስዞም ክቡራን ስድሯኡ ንኣምላኽ ተሓዊሰ ዘለኹ።ለካ ንሱ ስለዝረድኣኒምበር ኣነስ ምንም ግብሪ ጽድቂ ንኽገብር ብቕዓት ከምዘየብለይ ኣምላኽና ይፈልጥ ኢዩ። ኢሉ ነፍሱ ዘቲሓተ ሰብውን ነይሩ ኽኾውን ይኽእል ኢዩ።ኣነ ግን ብስጋዊ ዝና ተወሪረ ነበርኩ።ክሽብሽብ እንከለኹ ነቶም ካሜራ ዝስእሉ ዝነበሩ፣እንታይ ደኣ ኮይኖም ንዓይ ዘይሰኣሉኒ፣እስከ ክረኣዮም ኢየ፣ፍሉይ ነገር ክገብርሞ ሹዑኡ ብዙሓት ካሜራታት ምልጭ ምልጭ ክብላ ኢየን፣ብዝብል ስጋዊነተይ ሸውሃታ ከፊታ ልበይ ብዛዕባቲ ንሳ ትገብሮ ዝነበረት ርእሰ ክብርነትምበር፣ስለድኻማ ንምሕሳብ፣እንዳንቀጥቀጥካ ምቋም ኣይብርሃን ነበረ።
መዝሙር ውድእ ምስ ኣበልና፣ልክዕ ከምዛ ቆጸራ ስጋይ እቲ ክትምነዮ ዝጸነሐት ከንቱ ውዳሴ ተቐበለት።ሓንቲ ካብቶም መዛሙራን ነበር ዝነበረት ክብርቲ ሓፍትና ኣገልጋሊት እግዚኣብሄር ንሽዑ ምሸት ብገለ ምኽኒያት ምሳና ኣይዘመረትን፣ኣብ ማእከልቲ ህዝቢ ኮይና ግን ፎቶታት ክቲስእል ኣምሰየትሞ፣ኣነ ናብ ደገ ኪወጽእ ንሳ ደገ ጸኒሓ ንውሽጢ ክትኣቱ ጎፍ ንጎፍ ተራኽብና። ፐርፈክት፣100% ኢላ እንዳመስገነት ህሩግ በላትኒ፣ስጋይ ብደስታ መለአት፣ነገር ግን ተቐባሊ ከንቱ ውዳሰ ክብሃል ውን ኣይደለኹን።ስለዚ ኖእ ነውሪ ከምኡ ኣይብሃልን ኢዩ፣ድሕሪ ሕጂ ከምኡ ከይትብሊ ኢለ ገናሕኩዋ።እዛ ክብርቲ ኣገልጋሊት እግዚኣብሄር ገጻ ሽዑን ንሽዑን ክልወጥ ረኣኽዎ።መቸም ከንቱ ውዳሴ ይናፍቕ ከምዘይነበርኩ፣ሕጂ ግን ንኸምስል ተቓወምኩ።ለካ ኣፈይ ኢያ ትቃወም ነይራምበር፣ልበይሲ ነቲ ውዳሰ ኮንቱ ደስ እንዳበላ ተቐቢላቶ ኢያ።እታ ኣገልጋሊትውን ኣነ ውሽጠይ ከንቱ ውዳሰ ይናፍቕ ከምዝነበርኩ ብደጋዊት ስእለይ ንኽተንብብ ኣይጽግማን ኢዩ።
ሎሚ ክርስትና ርስፔክት ብዝብል ዓለማዊት ሕጊ ተጣሒሱ ኢዩ፣ርስፔክተኛታት ንዘኽብሮም ኢዮም ዘኽብርዎ እምበር ንዝዝልፎም ኣይኮኑን።ርስፔክትነታዊ ሕጊ፣ንዘኽበረካ ኣኽብር፣ንዘሕሰረካ ኣሕስር ኢዩ ዝብል።ሰብ ስለዝኾንካ ንኹሉ ብማዕረ ኣፍቅር ግን ሓደ ሰብ እንተበዲልካ ምሕረት ዝብሃል ከይቲህቦ ዝብል ጽኑዕ መርገጺ ኣሎዎ።ክርስትያናዊ ሕጊ ግን ከምኡ ኣይኮነን።እኳ ደኣ ሕልፍ ዝበለ ኢዩ፣ንኹሉ ኣፍቅር፣ዝብል እግዚኣብሄር ንኹሉ ስለዘፍቅር በዚ ንዑኡ ንመስሎሞ፣ኣማልኽቲ ዘበጸጋ ንምባል የድፍር።ንዝብድለካ ይቕረበለሉ፣ንዝኣሰረካ ብኣምላኽ መታን ክፍታሕ ጸልየሉ፣ንዝመንጠለካ፣ኣምላኽካ መታን ብጽግኡ ከህብትሞ፣ንዝረገመካ ድንግል ማርያም መታን ክትምርቖ፣ክሳድካ ንዘሳቕየካ ኣብ ሲኦል ካብኡ ዝኸፈአ ስቅያት ንኸየጋጥሞ ክትጽልየሉ ኢዩ ክርስትናዊ ሕጊ ዝእዝዘና።
በንጻሩ ርስፔክታውነት፣ንዘመስገነካ ንስኻ ድማ ኣመስግኖ፣ንዝዓለለልካውን ዓልለሉ ይብል።ኣብ ስራሕ ክትኣቱ እንከለኻ ፍሕሹው ገጽ ኣሎዎ መታን ክትብሃል ውሽጥኻ ዋላ ኣይሲሓቕ፣ግጽካ ግን ሰሓቓይ ኮይንካ ክትረአ ኣሎካ።ዝብል መርገጺ ካብ ርስፔክታውያን ዝተቐደሐ ኢዩ።ክርስትና ግን ከምኡ ኣይኮነን።ሰብ መጺኡ ከመስግነካ እንከሎ፣ክዕልለልካ፣ከኽብረካ እንከሎ፣ኣነ ድኹም ኢየ፣ኣምላኽ ንዓይ ንሓጥእ መሓረኒ።እዚ ክብሪዚ ኣነ ዘይኮንኩስ ንስኻ ኢኻ ዋንኡ፣እዚ ምስጋናዚስ ናተይ ኣይኮነን።ኣነ ምንም ግብሪ ጽድቂ ዘይገበርኩ ፍርድን ቅጽዓትን ዝግበኣኒ ደካማ ባርያኻ ኢየ።ዋላ ኣብ ቅድሚ ሰባትን ኣብ ቅድሜኻን ሞጎስ እንተረኸብኩ፣ብረድኤትካ ኢዩ።ጎይታየ ኣነ ሓቀኛ መንነተይ ኣይፈልጦን ኢየ፣ንስኻ ግን ትፈልጠኒ ኢኻሞ ልዕሊ ማንም ምሕረትካ ይናፍቕ ኣሎኹ።እንተምሒርካኒ ኢየ ዝኸብር፣እንረዲእካኒ ኢየ ዝልዕል፣እንተፍቂርካኒ ኢየ ዘፍቅርሞ ጎይታየ እዚ ሕጂ ዝተቐበልክዎ ምስጋና ንዓኻ ይህበካ ኣሎኹ፣እዚ ሕጂ ካብ ሰባት ዝወሃቦ ዘለኹ ክብሪ ናትካ ናይ ባህሪኻኢዩሞ ክብሪ ንዓኻ ይኹን። ብምባል ርእስኻ ኣቲሕት፣ሽዑኡ ኣምላኽካ ድማ ልዕሊቲ ሰባት ዘኽበሩኻ ከኽብረካ፣ልዕልቲ ንሳቶም ዝወደሱኻ ኣንታ ብሩኽ ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻሞ፣ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ክሸመካ ኢየ ዝብል ካብ ኣምላኽካ ክትቅበል ኢኻ።ንሰባት ኣኽብሮም፣ከምቲ ንሱ ዘኽበረካ፣ኣፍቅሮም ከምቲ ንሱ ዘፍቅረካ፣ርእስኻ ኣቲሒትካ ንዕኦም ልዕል ኣብል ከምቲ ንሱ ልዑል ክንሱ ቲሕት ኢሉ መምህር ቲሕትና ዝኾነካ ይብል ናይ ክርስትና መርሀ ግብር።
እግዚኣብሄር ነታ ንሱ ዝሰርዓልና ብርሃናዊት ጎደና፣ኣቲሒዝና ኢዩሞ፣ካብ ከንቱ ውዳሴን፣ከንቱ ፍቕርን ርሒቕና ሓቀኛን ንሱ ዚሕጎሰላን፣ቅድስት ኣምላኻዊት ፍቕሪ ክንምላእ፣ርእስና ድማ ቲሕት ከነብል ብጸግኡ ይደግፈና።
ዝተባረኸ ጾም ሰሪዕልና ኢዩሞ፣ምእንቲ ወላዲቱ፣ምእንቲ ቃል ኪዳና ኢዩ ካብ ርኽሰት ይሓልወና ኣሜን።
ወስብሀት ለእግዚኣብሔር

mandag 19. februar 2018

ቅድስት 2ይ ሰንበት ናይ ጾመ ኣርብዓ፣

Bilderesultat for eritrean orthodox tewahdo photo senbet


በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ፣

ቅድስት ቤተ ክርስትያን በቲ ሃብታም ዝኾነ ካብ እግዚኣብሔር ብመንገዲ ቅዱስ ያሬድ ኣቢላ ዝተረከበቶ ሰማያዊ ስርዓታ መሰረት ገይራ፣ሕጂውን ነዛ ሰንበት እዚኣ ቅድስት ኢላ ትሰምያ።ኣብ ቅዱሳን መጽሓፍቲ <<ቅድስት>> ዝብል ቅጽላዊ ናይ ግእዝ ቃል፣ካብ ቀደሰ፣ኣማዕረገ፣ኣወቀበ፣ፈለየ ካብ ዝብሉ ቃላት ዝተቐድሐ ኮይኑ፣ንቅድስናን ንጽህናን ፍሉይነትን ናይ ሰንበተ ኪዳን ንምትራኽ ብፍላይ ድማ ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፣ኣብ ዕለተ ሰንበት ዝገበሮም ፍሉያትን ቅዱሳትን ተግባራት እናሻዕ ኣብ ልቢ መእምናን ተጻሒፎም ኣርኣያነቱ ተኸቲሎም ደድሕር ቅድስና ንምስዓብ ኣብ ሕልነኦም ቅጅል ዝብሎም ናይ ፈጣሪኦም ኣስተምህሮ ኢዩ።ኣብ መንፈሳዊ ኣስተምህሮ፣<< ባህርይን ጸጋን>> ዝብሉ ቃላት ኣዝዮም ተዋሰብቲ ኢዮም።ኣብ መንፈሳዊ ሂወት ዝሳግም ሰብ ባህርይ እንታይ ኢዩ፣ጸጋኸ ንመን ኢዩ ዘመልክት ንዝብል ሓደ መእመን፣ፈጺሙ ክርድኦ እንተዘይኪኢሉ፣ንፈተነ ዝተቓለዐ ሰብ ኢዩ።

ብባህርይ ቅዱስ መን ኢዩ፣

እዚ ቅዱስ ዝብል ቅጽል ዝውክሎ፣ መን ኢዩ እንተድኣተባሂኡ፣ብዓንተወኡ፣ካብ ቅድሙ ከይተቐየረ ኩሉ ግዜ ቅዱስ ኮይኑ ዝነብር እግዚኣብሔር ጥራይ ኢዩ።ቅዱስ ማለት ፍሉይ ካብ ኩሎም ተፈልዩ ባዕሉ ንባዕሉ እንዳተቐደሰ ዝነብር ማለት ኢዩ።ቅዱስ ንተባዕታይ ጾታ ከመልክት እንከሎ፣ቅድስት ድማ ነንስታይ ጾታ ይሕብር።<< ቅዱስ እግዚኣብሔር፣ቅዱስ ሓያል፣ቅዱስ ሕያው ዘኢይመውት፣ዘተጠምቀ በዮርዳኖስ፣ዘተሰቅለ በዲበ ዕጸ መስቀል ተሳሀለነ እግዚኦ>> ኣብ ቅዳሴና እንደጋግሞ ጥዑም ናይ ተስፋ ቃል ኢዩ።ሓያልነቱ፣መለኮታውነቱ፣ከሃልነቱ ምስ ናይ ተባዕታዊ ጾታ ተመሳሲሉ ምጥቃሱ፣ ንኹሉ ነገር ሓያል ዝኾነት ቅልጽም እግዚኣብሔር ንምትሕስሳብ ኢዩ። << ኢሳ59፣1 ኢድ እግዚኣብሔር ንምድሓን ሓጻር ኣይኮነትን።>> ይብል።ቅድስና ናይዛ ኢድ እዚኣ ካብ ባህሪኣ ስለዝኾነ፣ብሕልና ፍጡራት ተመጣጥርካ ዘይትልካዕ ኢያ።ብኻልእ መንጽርውን ቅድስት ስላሴ ንብል ኢና።<< በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላኽ በቅድስት ስላሴ፣እንዘእኣምን ወትእማሕጸን እክሕደከ ሰይጣን>> ኢላ ወትሩ ነፍስና ብጸሎት እትምገቦ ናይ ዘውትር ጸሎት ኣሎ።ኣብዚ < በቅድስት ስላሴ> ምባልና፣እግዚኣብሔር ተንስታይ ጾታ ስለዘሎዎ ኣይኮነን።እንታይ ደኣ፣ርህራሄን መግቦትን እግዚኣብሔር ከምታ ኣደ ንውላዳ ካብ ውሽጣ ዝመንጨወ ጸባ ጡብ እንዳዐንገለት፣ብድንጋጸአ ከኣ < ቅድሜኻ ይስጥሓኒ> ብምባል ንውላዳ ሕልፊ ሰብነታ እተፍቅር ኣደ ኣነጻጺርና፣ናይ እግዚኣብሔር ርህራሄን መግቦትን ከኣ ልዕሊ ኣእምሮ ምኻኑ ንምግንዛብ ኢዩ።<< ምሳ 9፣1 ጥበብ ቤታ ሓነጸት፣ሸውዓተ ኣዕኑድ ኣቐመትሉ።>> ተባሂሉ ኣሎ።ትንታኔኡ ብዙሕ ኢዩ ምስዚ ኣርእስቲ እትኸደልና ግን እታ፣ጥበብ እትብል ዘላ ቃል ንስም እግዚኣብሔር እትውክል ኢያ።ስለዚ ቅድስና እግዚኣብሔር ብተባዕታይ ጾታ ይኹን ብተንስታይ፣ብኽልቲኡ ኣሰማሚዕና ከነመስግኖ ተኻኢሉ።

ኣብ ካልእ ጽሑፍ << 1ይ ጴጥሮስ 1: 15-16 ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ፡ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ>> ይብል። ስለዚ ቅድስና እግዚኣብሔር ገና ፍጥረት ከይጀመረ እንከሎ ካብ ዘልኣለም ክሳብ ዘልኣለም ቅዱስ ስለዝኾነ፣ነቶም በታ ቅድስቲ ኢዱ ዝዓየዮም ደቁ ድማ፣ካብ ቅድስንኡ ቅድስና ክማቐሉ ብዘይብቂ መጠወሎም።እዚ ግን ካብታ ባህሪኡ ዝተጨለፈ ናይ ፍታዉ ትዕድልቲ ስለዝኾነምበር፣ብባህሪና ቅዱሳን ስለዝነበርና ኣይኮነን ቅዱሳን ኩኑ ዝበለና።ፍጡር ቅድስና የድልዮ ኢዩ፣ግን ካብ ፈጣሪኡ ብጸጋ ምስተዋህበ ኢዩምበር ካብ ባህሪኡስ ኣይኮነን።

ብጸጋ ቅዱሳን ዝበሃሉ፣-

ቅዱሳን መላእክቲ፣ቅዱሳን ኣቦታት፣ቅዱሳን ነገስታት፣ቅዱሳን ህጻናት፣ ቅዱሳን ኣዴታት፣ቅዱሳን መካናት፣ቅዱሳን ኣሳእል፣ ንዋየ ቅዱሳት፣ቅዱሳን በዓላት፣ቅዱሳን ዕለታት፣ስመ ቅዱሳን፣ቅዱሳን ቃላት፣ቅዱሳን መጻሕፍት፣ቅዱሳን መዛሙር፣ቅዱሳን ዜማታት ወዘተ።እዚኣቶም ንሕና ንክንጥቀመሉሞ ብቐረባ ናብ ድሕነት ክንቀርብ፣ ተባሂሉ እግዚኣብሔር ዝዓደለና ስለዝኾኑ፣ቅዱስ ዝብል ቅጽል ሒዞም ይርከቡ።ነዚ ዝተጠቕሰ ነገር ዝጻረር ዘበለ ድማ ኩሉ ኣንጻር እግዚኣብሔር ስለዝኾነ፣ቅድስና ዝተነፍጎ ኢዩ።እግዚኣብሔር ንሕና ደቂ ሰባት ክንድሕነሉን ወረስቲ መንግሱ ክንከውንን ኢሉ ነዚ ንሕና እንጥቀመሉ ዘበለ ብቅድስና ኣማዕሪጉ፣ብኡኡ ንክንቅደስ ገፊሕ ዕድል ከፈተልና።ነዛ ቅድስና እዚኣ ቅዱስ  ጥበበኛ ሰሎሞን፣<< ነታ ኣብ ጥቓ ዙፋንካ ተቐሚጣ ዘላ ጥበብ ሃበኒ፣ካብ መንጎ ኣገልገልትኻ ኣውጺእካ ኣይትደርብየኒ።ጥበብ 9፣4>> ኢሉ ለመነ።እዛ ጥበብዚኣ ቅድስና ናይ ባህሪኣ ዝገበረት ስለዝኾነት፣ንኹሉ ነገራትና ክትቅድስ ሓይሊ ዘለዋ ጥበብ ኢያ።ስለዚ ክንድዝኾንናዮ ንኹን ብዘየገድስ፣ንሓይሊ ቅድስና እግዚኣብሔር ዝዕንቅጽ ግን ኣይርከብን ኢዩ።እዚ ግን ብኡኡ ብቅድስንኡ ንክትቅደስ ፍቓደኛ ምስ እንኸውን ኢዩ።ቅዱስ ሰሎሞን ብቅድስንኡ ንክቕደስ፣ልቡ ከፊቱ ለመነ።

ሰንበት ቅድስቲ ኢያ።ባዕሉ ቅድስቲ በዓል ገይሩ ስለዝጀመራ ባሪኹ ቀደሳ።እዚ ድማ ክፈጥር እንከሎ ብዕለተ ሰንበት ፈሊሙ ናይ ፍጥረት ጅማሪት፣ክውድእ እንከሎ ድማ ናይ ፍጥረት ደምዳሚት ገይሩዋ።< ዘፍ1፣1-8 ዘፍ 2፣2> እታ ፍጥረት ዝጀመረላ ሰንበት ሎሚ ሰንበተ ክርስትያን ተባሂላ ትጽዋዕ ኣላ።ምኽንያቱ ንሳ ናይ ጎይታ መዓልቲ፣ክርስትያን ድማ ትንሳኤ ጎይታኦም ዝተበሰሩላ ዕለት፣ኣብ ሕልፈት ዓለም ከኣ ናብታ ዝትስፈዉዋ መንግስቱ ንምውራስ ንጎይታኦም ዝጽበዩላ ዕለተ ምጽኣት ብምኻና፣ሰንበተ ክርስትያን እንዳተባህለት ትዝከር ኣላ።ነዚ ክቡር ኣቦና ቅዱስ ጳውሎስ፣<< እምበኣር ንህዝቢ ኣምላኽ፣ዕረፍቲ ሰንበት ተነቢራትሎም ኣላ፣ከምቲ ኣምላኽ ካብ ግብሩ ዘዕረፈ፣ንሱውን ካብ ግብሩ የዕርፍ። እብ4፣9-10>> ይብለና።ኣብ ብሉይ ኪዳን ብስራሕ ኢዱ ዝጀመራን ዝባረኻን መዓልቲ፣ኣብ ምጽኣቱ ድማ ፍርዱ እትቕልቀለላ ዕለት ነዛ ሰንበት እዚኣ ኢዩ መሪጹዋ።

እታ ሓንቲ ሰንበት ድማ ናይ ፍጥረታት ድምዳመ ወይከኣ መወዳእታኦም ዝኾነት ማለት ካብ ኩሉ ግብሩ ኣዕሪፉ ብምውዓል ዘኽበራን ዝቐደሳን መዓልቲ ኢያ።ቀዳሚት ሰንበት ከኣ ትበሃል።እዚ ቀዳመይቲ ሰንበት  ዝተባህለትሉ ምኽንያት ኣብ ብሉይ ኪዳን ብክብ ዝበለ እትኽበር ዝነበረት ንሳ ቀዳመይቲ ስነበት ምንባራ፣ዳሕራዩ ግን ናይ ክርስትያን ሰንበት ከምዝተጨመረት፣ንምትሕስሳብ ተባሂሉ ኢዩ ቀዳሚት ሰንበት ተባሂላ።ክቡር ቅዱስ ኣቦና ኤፍሬም ሶርያዊ፣<<ውዳሴሀ ለእግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም ዘይትነበብ በዕለተ ቀዳሚት ሰንበት፣>> ኢሉ ጠቐሰልና።እዚ ማለት ከኣ በታ ቀዳመይቲ ሰንበት ዝንበብ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስጋና ማለት ኢዩ።ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ እግዚኣብሔር ካብ ናይ ምፍጣር ግብሩ  የዕሪፉ ከምዝወዓለ ኩሉ፣ ቀዳሞት ኣቦታት ናይ ብሉይ ኪዳን ድማ ካብ ስጋዊ ግሮም ኣዕሪፎም፣ቅዱስ ግብሪ ክሰርሑ  ይውዕሉ ነይሮም፣፣እዚ ከኣ እግዚኣብሔር ንደቁ ዘላቂ ዕረፍቲ መታን ክምጡ  ኣብ ዕለተ ዓርቢ ኣብ መስቀል ብምስቃል ንሞት ቀሚሱ፣ብዕለተ ቀዳም ኣብ መቓብር ኣዕሪፉ ወዓለ።ንጽባሒቱ ሰንበት፣ ሰንበተ ክርስትያን ድማ ካብ ከተማ ምውታትን ብክብሪ ተንሰአ።እዘን ሰናብቲ ሰናብቲ እዚኣተን ኸኣ ንሕና ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ከምእንወሃብ እንትስፈወለንን ቅዱስ ግብሪ ሰሪሕና ብእግዚኣብሔር እንባረኸለንን፣ቅዱሳን ናይ ዕረፍቲ ዕለታት ኢየን ።

ስለዚ እዛ 2ይቲ ሰሙን ናይጾመ ኣርብዓ እዚኣ እተማሓላልፎ መልእኽቲ እንታይ ኢዩ እንተተባሂሉ፣እግዚኣብሔር ነቶም ናብ ናይ ምልኣት ቅድስንኡ ንምምጻእ ፍቓደኛታት ዝኾኑ ደቁ፣ንሱ ድማ በቲ ከሃልነቱ ገይሩ ናብ ናይ ቅድስንኡ ሑቕፊ  ክሓቕፎም ወትሩ የእዳዉ ዝርጉሓት ምኻነን ዘተንብህ ቃል ኢዩ።ካብ ሓጢኣት ብምርሓቕ፣ነዚ ቅድስናዚ ለቢስና ወረስት መንግስቱ ክንከውን ብጸግኡ ይደግፈና።

ወስብሀት ለእግዚኣብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ይተኣኮት ወይሴባሕ፣ወትረ በኩሉ ግዜ ወበኩሉ ሰዓት ኣሜን።

ኣነ ግዳ ውሉድካ ንክናኣናዊት'ኳ ዝመሓርካ...

 በስመ ሥላሴ ኣብራም'ዩ ግብረይ ኣብ ካራን ምንባረይ ሃብታም'ዩ ሰፈረይ ብዘመናዊ ስራይ ኣብኡ'የ ዝወድቕ ይሃጥር ብስጋይ ሓሽከት ሓጣውእ ይበራረዩለይ ገንዘብ ሶዶም ክኸስብ ገንዘብካ ይስእኖ እናሻዕ ይንኖ...