søndag 3. juni 2018

ሓደሽቲ ጓሶት


በስመ ሥላሴ

 

 

ኣብዚ ምዕቡል ማሕበረሰባዊ ናይ ቴክኖሎጂ ዘመን፡ብዙሕ ሰብ ንሓድሕዱ ክጻረፍ ትዕዘብ ኢኻ።እቲ ዝስንዘር ዘሎ ጸርፊ በብዓይነቱን ንንዓይነቱ ዝውክልን እኳ ይኹን እምበር፡ንልቢ ተጸራፍን፡ንኣንባቢ ናይቲ ጸርፍን ኣበሳጭዩ ዘንድድ ምዃኑ ብመጽናዕቲ ተበጺሑ ኣሎ።እዚ ዝውርወር ጸርፊ፡ነቲ ተጸራፊ ዕላማ ዝገበረ ኣይመስልን፡"ይጸርፍ ኣሎኹሞ፡ንጸርፈይ ረኣይዎ፡ክሳብ ክንደይ ኢየ ኣብ ምምሃዝ ጸርፊ በሊሕ ተመልከቱኒ፡ነቲ ተጸራፊኸ ልክዕልክዑ ረኺበዮዶ ወይስ ይውሕዶ፡ሕርሕራይ ገይረ እንተረኺበዮ ኣጣቕዑለይ፡እንተኣውሒደሉ ኸኣ መልኡሉ።"  ዝብል ውሽጣዊ ርእየት ኣሎዎ።


ሓንቲ ሰበይቲ'ያ፡ ኣብ ህይወታ ከይተጻረፈት እንተውዒላ ቀጨውጨው ይብላ ስለዝነበረ፡ ሓደ እዋን ዕለቱ ምሉእ ንጸርፋ ዝእንገድ ሰብ ከይረኸበት ስለዝወዓለት፡ነታ ጓላ " ነጸላይ ሃብኒ ዛጓለይ፡ናብቲ ስግርና ክኸይድ ኢየ፡ኣብኡ ገለ ጸርፈይ ዘዝንበሉ ሰብ ተረኸብኩ።" በለታ።ሃንደበት ሓላፊ መንገዲ ነዚ ክትብል ስለዝሰሞዓ ግን፡"ኣንቲ ሰበይቲ ክትጸርፊ ክትብልስ ስግር ማዕዶ ክትሰግሪ።" ኢሉ ንሓሳባ ክቃወሞ ስለዝበለ፡"ወይ ኣነ! በሊ ተደፊረ፡ግደፍዮ ግደፍዮዛ ጓለይ፡እቲ ዝደልዮ ረኺበ ኣሎኹ።" ኢላ ጸርፋ ቀጸለት ዝብል ብሂል ኣሎ።


ዝጻረፍ ሰብ" ስለምንታይ ትጸርፍ" ኢልኩም እንተሓቲትክሞም፡ንባዕሉ ጸርፊ ነውሪ ምዃኑ ኢዩ ዝእመን።ግን ክንዮ ማዕዶ ሰጊርካ ምጽራፍ ኣይጸልእን።ኣብ ኣሜሪካ ኮይንካ፡ንኣብ ኤርትራ ዘሎ ሰብ፡ኣብ ኢትዮጵያ ኮይንካ ንኣብ ኤውሮጳ ዘሉ ሰብ፡ኣብ ኣውስትራልያ ኮይንካ ንኣብ ካናዳ ዘሎ ሰብ...። ድማ ጸርፍኻ ኩሉ ክርእዮ ኣሎዎ።ዓይነት ኣጸራርፍን፡መጸራረፊ ቦታን'ውን ተመራጺ ኢዩ። ቅድሚ ዓይነታት ጸርፊ ምሕራይካ፡ ንመጽረፊ ዝኾውን ቦታ ከተመቻችእ ግድነት ኢዩ። ናይ ጸርፊ ሽንግርዋ ዝተጀመረ ይመስል። ንኣብነት Facebook፡ ዓቢ ጫካ ናይ ጸርፊ ኢዩ።ኣብዚ ድላይካ ዓይነት ጸርፊ ንድላይካ ዓይነት ሰብ ጸሪፍካ፡ መን ኢኻ ዝብለካ ኣካል የለን፡ንጸርፍታትካ ሳንሱር ዝገብር ግላዊ ይኹን መንግስታዊ ማሕበር የለን።(Youtube). ናይ ጸርፊ መኻርም (ደንበ።) ኣብዚውን ክልተ ጥቕሚ ኣሎካ፡ሓደ ምስልኻ ስለዝረአ፡ብዙሓት ኣንጨብጨብቲ ናይ ምጥራይ ዕድላት ኣሎዉኻ።ካልኣይ ድማ፡እቲ ተጸራፊ ዝያዳ ምስሊ ጸራፊኡ ረርእዩ ዝቑዝመሉ ባይታ ስለዝፈጠርካ ንልቡ ኣጸቢቕካ ዝጎዳእካዮ ኮይኑ ይስምዓካ። ኣዝዩ ተገርምን የጒህን'ዩ።

ዓይነታት ጸርፊኸ፧ ብዙሓት ኢዮም።


1. ከይሞተ ሞይቱ ኢልካ ብምእዋጅ።ጸራፊ ምስቲ ተጸራፊ ብውሽጢ መስመር፡ ሰፊሕ ክርክር የካይዱሞ፡ተማጊቱ ከሰንፍ ስለዘይከኣለ፡መፍትሒኡ ሞይቱ ኢልካ ንዓለም ምእዋጅ ከም ዓቢ ዓወት ይቖጽሮ።ረኣይቲ መርድእ ድማ እነገሊኦም ይስንብዱ፡እነገሊኦም ድማ ይሕጎሱ።ናይ ጸራፊ ዕላማ ግን፡ከመይ ኢሉ እቲ ተጸራፊ ብውሽጡ ይሰዓር ኢዩ።


2. ብዕልግናዊ ጸርፊ።እዚ ማዕቢለ ኣሎኹ፡ዘስምዕ ዓይነት ጸርፊዩ።እቲ ጸራፊ ምስቲ ተጸራፊ ኣብ ናይ ግሎም ጉዳይ፡ምርድዳእ ይስእኑሞ፡"ተዓዘቡኒ፡ንእገለ በዚ ዘመናዊ ጸርፊዚ ይበልጾ ኢየ።" ዘስምዕ ምራቕ ናይ ጸርፊ ይተፍእ።እቶም ኣንበብቲ ናይቲ ጸርፊ እነገሊኣቶም ይጉህዩ፡ክንድዚ ዝኣክል ብዕልግና ኣብ ልሳንዚ ወለዶ ሰንኪ ምስራጹ።ዓለም ብጥበብን ብልሕን ክትመልእ እንዳተጸበዩ፡ኣብ ልሳን ናይዚ ወለዶ ጸረፍያውያን ይፈርዩ ስለዘሎዉ የልቅሱ።እነገሊኣቶም ድማ፡ሓጎሶም ክገልጹ ክብሉ፡ነቲ ናይ ብዕልግና ጸርፊ ይውስኽሉ።እዚ ምውሳኽ ጸርፊዚ፡ብውሽታዊ፡ብcomment ዝብሃል መሳርያ፡ወይ ድማ ብኸምኡ ካልእ ዓይነት post ተተኪኡ፡" እነሆ ናተይ ጸርፊ ዝበለጸ።" ዘስምዕ እንክመስል ይስንዘር። ጸራፍያን ሰብ ሞያ ሓደሽቲ ጸርፍታት፡ መሃዝያንን መሃንድሳትን ድማ ሓደሽቲ ናይ መጻረፊ ኣዳራሽ ከዳልዉ ኣብ መንገዲ ክመሓላለፉ ንርኢ ኣሎና።


3. ጸሌዮአዮ ኣሎኹሞ ኣጻልኡኒ።እዚ ዓይነት ጸርፊዚ፡ብብዙሕ ዓይነት ሸነኻት ኢዩ ዝካየድ።ብኣሽሙር፡ብቐጥታ፡  ተዘዋዋሪ፡ ብከንቱ-ውዳሴ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።ጸራፊ ሓለፍኩ ክብል ብዙሕ ዓይነታት ሜላ ይጥቀም።ተጸራፊ፡ንኡሽቶ ጥበብ ዝጎደለቶ እንተኾይኑ፡" ንዓሻ ኣምተሉ ክንደይ ከይግምቶ" ስለዝኾኖ ንመን ተባሂሉ ከየስተውዓለ ይሓልፎ።ጥበበኛ እንተኾይኑ ግን፡ነቲ ጸራፊ ከምዝሰዓሮ ንነብሱ የእምና።


ብዛዕባ ጸራፊ ሰብ ክፍለጥ ዘለዎ ሓፈሻዊ ሓዊ፡ ስለዝተዓወተ ኣይኮነን ዝጸርፍ።ዕውት ሰብ ብልሕታት ዓወቱ ንዓለም ከስተምህር፡መርትዖታቱ የቕርብ እምበር፡ ናብ ጸርፊ ኣይጎዪን ኢዩ።ኣብ ዘምንና ሰብ ንጸርፊ ቅልጡፍ፡ንልዝብ ዝሕቱል ዝኾነሉ ስለምንታይ ኢዩ ኢልካ እንተሓሲብካ።ኣንባቢ ሰብ እንዳወሓደ ይመጽእ ስለዘሎ ኢዩ።ሰብ ብድንቁርና እንተተዋሒጡ ክምጉት ኣይክእልን ኢዩ።ጥበበኛ ሰብ ጥበቡ ከርኢ ክብል ዘይተፈተሹ ናይ ጥበብ መጽሓፍቲ፡ዘይተሓተቱ ናይ ኣእምሮ መምሃራን፡ዘይተበርበረ ናይ መዝገብ ዩኒቨርስቲ ክፍትሽ ኢዩ ዝውዕል እምበር፡ሆ!  ኢሉ ንጸርፊ ልሳኑ ኣይውርውርን ኢዩ።ኣብ ሕብረተ-ሰብና፡" ፍረ ዘለዎ ገረብን፡ፍረ ዘለዎ ሰብን ንታሕቲ ይደኑ፡" ዝብል ኣበሃህላ ኣሎ።ፍርያም ኣእምሮ፡ ፍረ ዘለዎ ልዝብ የመንጩ፡፡ፍረ ዝተሓረሞ ኣእምሮ ድማ፡ንኣእምሮ ዘቑስል ቃላት ይጭንጒዕ።ብዙሓት ተጻረፍቲ፡ዕዉታትን ምዕቡላትን ኮይኑ ስለዝተሰመዖም ኢዮም ምጽራፍ ዝመርጹ።ናይ ዓወት ምልክት ግን ሞጒትካ ክትረትዕ ምኽኣል እምበር፡ ጸርፍታት ብምስንዛር ኣይኮነን።ንኹላቶም ሓሳባትካ ተቐባልነት ዘይክህልዎም ይኽእል ኢዩ።እቲ ሽግር ካብ ክልቲኡ ሓዲኡ'ዩ። ወይ ናትካ ወይ ናይቲ ብጻይካ ግንዛበ ስለዝጎደለ ምኻኑ ፍሉጥ ኢዩ።ስለዚ " ነዛ ህላውነት ግንዛቤ ብኸመይ ይመላእ'ሞ፡ስምምዕ ይኽሰት፧" ዝብል ጥበብ ከተፍልቕ እንተዘይክኢልካ፡ገና ኣብ ድንቁርና ከምዘለኻ እመን።


ኣብ ተመኩሮይ ወትሩ ዘሰላስሎ ነገር ኣሎ፡፡ እዚ ጓሳ ናይ ጥሪት እንከለኹ'ዩ፡፡ እታ ዝጓስያ ዝነበርኩ ጤል ዓስ ኢለያ እንተኣብያትኒ፡ ናብ ምትህርራም'ተ ዝጓየ ነይረ። እዚ ከኣ ንሳ፡ ኣእምሮኣ ተጠቒማ ስለምንታይ ከምዝኣበየት መርትዖ ሒዛ ከተቕርብ ዓቕሚ ከምዘየብላ ስለዝፈልጥ'የ፡፡ ስለዚ ክሃርማ ወይ እምኒ ክድርብየላ ኢዩ ዘለኒ።ምኽንያቱ " ስለምንታይ ኢኺ ኣቢኺ" ኢልካ ምስ ጤል ምጉት ክትገብር ማለት ስለዘይከኣል።እምበኣር ሓደ ጓሳ ጥሪት፡ ንእንስስኡ ብበትሪ፡  ሎሚ "ኣነ  ጓሳ ኣእምሮ፡ ምሁር ሰብ ኢየ!" በሃሊ ድማ፡ ብጸርፊ ክመሳሰሉ ይረኣዩ ኣሎዉ።እቲ ጓሳ ጥሪት ምስታ ጤል ናይ መረዳድኢ ኣእምሮ ኣብ መንጎኦም ስለዘየለ፡ ሓንትን ክያንትን ብበትሪ ወይ ብእምኒ ጔርካ ምስ ጤሉ ምርድዳእ እንኮ ከም ኣመራጺ ይወስዶ። ካብ ናይ ሎሚ ምሁረ-ኣእሮ ዝምንጩ ልሳን ድማ፡ ብዙሕ ናይ ምርድዳእ ኣመራጺታት እናሃለወ፡ ነቲ ከምኡ ኣእምሮ ለበስ ሰብ፡ ሰብ ምዃኑ እንዳተፈለጠ ከም ጤል ተሓሲቡ ብጸርፊ ዓስ ክበሃሃሉ ንርኢ ኣሎና። ዝሓስብን፡ዝልወጥን ሰብ ክንሱ ክመሃር ክፈልጥ፡ ክዓቢ፡ካብ ብልሒ ናብ ብልሒ ክምጠጥ ዝኽእል፡ ኣእምሮ ዝወነነ ናይ ሰብ ተፈጥሮ ምዃኑ ዝተፈልጠ ክንሱ፡ ብጸርፊ ክሰሃሃሉ ንርኢ ኣሎና። ናይ ሎሚ ጓሳ ምስ ሰብ ይላዘብ ምህላዉ ዘንጊዑ፡ ከም ምስ እንሲሳ ብናይ ጸርፊ በትሪ ክተሓናነቕ ክትርኢ ዓገብ ዘብል'ዩ።


እቲ ብእምኒ ጔሩ "ዓስ!" ዝብል ዘሎ ጓሳ ምላልባሽ እኮ ተጋግዩ፡ እታ ጤል ግን ቅንዕቲ ክትነብር ትኽእል ኢያ።መረዳድኢ፡ ኣእምሮን ቋንቋን ኣብ መንጎኦም ስለዘየብሎም ግን፡ ጓሳ ንጤሉ ተኣብያ ክሃርማ ጥራይ ኢዩ ዘለዎ። እምበርከ፥ እታ ጤል "ከምዚ ስለዝኾነኮ ኢዩ'ኮ" ኢሎም ንሓድሕዶም ከረዳድእሉ ዝኽእል ባይታ የለን። ምስ ጤል ብጭራሽ ርድድእ ኣይከኣልን'ዩ። ናይ ሎሚ ጸራፍያን'ውን ከምኡ፡ ኣጣል ዝሕልዉ ፡ኣብ በረኻታት facebook ዝውዕሉ ዘለዉ ጓሶት መሲሎም ይረኣዩና እነሀዉ።ዓስ ይብሉኻሞ፡ ንሓሳቦም ምቕባል እንተኣቢኻ ግን፡ከረድኡኻ ወይ ብሱል ምጉት ሒዞም ክቐርቡኻ ዓቕሚ የብሎምን።ስለዚ በታ በዓልቲ ሞያ ልሳኖም ገይሮም፡ ብጸርፊ ዓስ ይብሉኻ። ለካ ብጸርፊ'ውንባ 'ዓስ!' ይበሃል'ዩ! መቸስ፡ ምስ ሰብ እንክተረዳዳእ ናይ ኣእምሮ ጒልበት ክትጥቀም፡ ምስ እንስሳ እንክትማጎት ድማ ዶንጎላ ክህልወካ ባህርያዊ ኢዩ።ናይ ዘመንና ጸረፍቲ ግና ኮር ተገልበጥ ትኸውን ኣላ።


ለካ ኣብ ዓለምና ሓደሽቲ ጓሶት ይፍጠሩ ኣሎዉ።ናይ Facebook ጓሶት።ክጸርፉ እምበር ከማጎቱ ዘይክእሉ። ብጸርፊ ክዋረዱን ከዋርዱን እምበር፡ ነቲ ግገኛ ክእርሙ ዘይክእሉ። "ከመይ ኢለ ክሕግዞ"ዘይኮነስ ከመይ ኢለ ጅግንነተይ የርእዮ በሃልቲ፡፡ ጥበብ ኣልባ ጓሶት ይፈርዩልና ኣሎዉ። ሕጂ'ውን ክፍለጥ ዘለዎ፡ ሓደ ጸራፊ በዓል ሞያ፡ ክንድዚ ዝኣክል ናይ ጸርፊ ልምምድ ይግበር ኣይግበር ብዘየገድስ፡ ንኣእምሮኡን ኣእምሮ ሰማዕትን፡ ስለዝጸረፈን ዘጽረፈን ጥራይ፡ ቅንጣብ ናይ ምዕባለ ኣስተዋጽኦ ኣየምጽኣሉን ኢዩ።ኣብዚ ናይ ኣካዳምያዊ ቤት ትምህርቲ ኪደት ኣቓልቦ ዝግበኦ ጉዳይ ኣሎ፡፡ ንኣሽቱ ተማሃሮ፡ ዕሸላት፡ ዓለም ብዙሕ ተስፋ ምዕባለ እትገብረሎም ህጻናትን መንእሰያትን፡ ናይዚ ጸርፍታት'ዚ ተቛደስቲ እንዳኾኑ ይመጹ ኣሎዉ።ሓደ ተማሃራይ ናይ ዩኒቨርስቲ ጥበብ ከፍሪ እንዳተጸበኻ፡ መመንጨዊ ጸርፊ እንዳኾነ ይመጽእኣሎ።ተማሃሮና ስለዝተማሃሩ፡ ብብሱል ኣእምሮኦም ንዓለምና ከስተምህሩ እንዳተመነኻ፡ ከረድኡን ክረዳድኡን ይኽእሉ የለዉን፡፡ ጸርፊ ግን እንኮ መፍቲሕኦም ኴና ንርእያ ኣለና።ንናይ ሽግራት መፍትሒ ዝኾኑ ቃላት ኣይምህዙን፡፡ ሓደሽቲ ዘመናውያን ናይ ብዕልግና ጸርፊ ግን ንምምሃዝ ብሕልሚ ከይተረፈ ይምነዩ። ናይ ጸራፊት ልሳን ዘገርም ነገር፡ ክእለታ ካብቲ ብድንቁርና ዝተኸበበ ኣእምሮ ዝምንጩ ምዃኑ'ዩ።


ስለዚ Facebookናን Yutoubeናን ሓደሽቲ ጓሶት የፍርየልና ኣሎሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ወናኒ ጥበብ፡ ንምጥፋእ ማሃይምነት ናይ ምጽዓር ሓላፍነት ይሰከም። እቲ ስራሕ፡ ማሃይምነት ካብ ኣእምሮ ንምልጋስ፡ብመጀመርያ ገዛእርስኻ ብጥበብ ዝተኸበበ ብሱል ኣእምሮ ክትውንን ብምግባር'ዩ ዝቕድም። ንኣብነት ነቲ ኣብ ስነ-መጎት፡ ምርዳእን ምርድዳእን  ዝኣበየካ ሰብ፡ካብ ክትጸርፎ ዋላ ይጋገ ይሃሉ፡ ፍሽኽ በሎ። ፍሽኽታኻ ምላልባሽ ብተንኮል ወይ ብኣሽሙር ክትርግሞ ይኽእል ይኸውን።ንስኻ ግን ካብ  ኣእምሮኻ ዝመንጨወ ጥዑም ፈገግታ ምሃብ ወትሩ ተለማመድ እምበር፡ ዘይብሱል ልሳን ከተጥሪ ክትብል፡ ኣብ ልሳንካ ሕማቕ መርዚ ኣይትኽዖ። እወ፡ ልሳንካስ ብጨው ደኣ ኣቃምማ'ምበር፡ብመርዚ ምምራዝሲ፡  ንስኻውን 'ታይ ግድኻ ክትምረዝ ኢኻ።

lørdag 12. mai 2018

ኣእምሮ ዘመንጨዎም ሕቶታትን መልስታቶምን 5ይን ናይ መወዳእታን ክፋል፣-

Relatert bilde
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።
13. ሕቶ፣-ርትዒ ቀቲልካ ንእምነት ካብ ምንጋስ፡
ሶቅራጦስ ምስ እየሱስ
ኮንፍሽዮስ ምስ ሃዋርያ ጳውሎስ፡
ሓታትን ተሓታትን
ንምንታይ ዘይፈጠርካዮም፧

መልሲ፣-ርትዒ ቀቲልካ፣ እረ ዓገብ ዝባን ርትዒ፣ ርትዒ ኣይመተን፣ሞይቱ መሲሉካ እምበር ተንሲኡ ኢዩ።ንሱ ዝሞተ ሰሪ መዋትነትካ ኢዩ።መዋትነካ ንህያውነቱ ሰንኪ ምሒር ፍቕሩ ናብ መቓብር ከምዝወርድ ገይርዎ።ግን ኣጆኻ ኣይሞተን፣እቲ ዋና ርትዒ ኣይሞተን፣ስለዘይሞተ ኢዩ ከኣ እምነት ይንገስ ኢሉ ዝእውጅ ዘሎ።እን ሶቕራጦስ ብቕንዕነኦም እን ኮንፍሽዮስ ብዝናውነቶም ንርትዒ ክንዲ ፍጻመ ዝኣክል ኣይመስልዋን ክመስልዋውን ኣይክእሉን ኢዮም።ፐርከስ ፍጡራን ብምኻኖም ጥራይ ምልኣታዊ ርትዒ ክህልዎም ኣይክእልን ኢዩ።ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ሓቃዊ ርትዒ ኢዩ፣እቲ ርትዒ ስለርትዒ ኢሉ ኣብ ኢድ ዘይርቱዓት ወደቐ፣ብርትዒ ተራትዐ፣ሞት ክራትዖ ኣይተኻእሎን፣ብርትዓውነቱ ንርትዑ በቶም ርቱዓት ሰዓብቱ ናብ መላእ ዓለም ርትዒ ከንግስ ናይ እምነት ርትዒ ሰበኸ።ዘመንካ ምሉእ ደሊኻ ነዚ ዝመስል ርትዒ ኣይክትረክብን ኢኻሞ ተኸኣልካ፣ብርትዓውነቱ እመን።ተዘይከኣልካ ግን ነዛ ፍጥርቲ ዘይኮነት፣ፈጣሪ ዝሰረታ ርትዒ ኣህጺጽካ፣ፍጡራን ንዝሰረትዋ ርትዒ ከተንግስ ናብ ቤት ርትዒ ኣይትምጻእ።ኣብ ኣፋፍኖ ርትዒ ተደኪልካ፣ግንዛቤኻ ንኽክዕብት ተደሊኻ፣ክትመሃር ናብ ቤት ርትዒ ምጻእ፣ፈንቂለ ዘየፍረስክዋ ኢልካ ግን ኢድካ ኣይተዋጣውጥ ስለርትዒ ኢለ ክልምነካ።

ሓደ ካብ ውሽጣዊ ምጉትካ ካብ ዘንበብክዎ እንተሃልዩ ግን፣ኣብዛ ዓለም ንዝነበሩ ዝነበሩን ዘለዉን መደርቲ ርትዒ፣ዕግበት ከምዘይረኸብካሎም ኢዩ።እወ ብሕጂውን ኣይክትረክብን ኢኻ።ፍጡርዶ ፈጣርያዊ ፍትሒ ከርትዕ ይኽእል ኢዩ፧ከመይ ናይ ፍጡር ኣእምሮ ፍጽምቲ ፍትሒ ከንግስ ኢዩ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር፧ኣብዛ ዓለም እንኮ ጥርዓንካ እትኽዕወላ፣መልስታትካ እትሓፍሰላ፣ቁስልኻ እትዝንነላ፣ንዝተበተኑ ሓሳባትካ እትጥርንፈላ፣ውሽጣዊ ጛሂኻ እትድርጉሓላ፣እንኮ ሓንቲ መንፈሳዊት ኤንባሲ ኣላ።ፈጣሪ ንናይ ኩላቶም ደቂ ሰባት ጥርዓን ሰሚዑ ዘዝግብኦም ሞሳ ዝምጥወላ ሓንቲ መንፈሳዊት ኤምባሲ ኣላቶ።ቤተክርስትያን ኢያ፣ሓንቲ ሕክምና እረ ዓባይ ሆስቢታ ኣላቶ፣ኩላቶም ሕሙማን መንፈሳዎ ቃምዛታቶምም ዝፍወሱላ፣ቤተክርስትያን ኢያ፣ሓንቲ ጫካ እረ ካብ ከባቢ ኣማዞንን ካብ ማእከላይ ቅናት ምድርን ዕጽፊ ጻዕቂ ጫካ ዝወነነት ኣበር ዘይኣተዋ ሕዛእቲ ኣላቶ፣ ኣብ ትሕቲ ኢድ ረቒቕ ሓለዉኡ ዝተደኮነ መንፈሳዊት ሕዛእቲ።ደቁ ካብ ፍላጻታት ጸላኢ ንግዚኡ ዝሕብኡላ ቤተክርስትያን ኢያ።ፐርከስ ፈጣሪ ነቶም ኣዝዩ ዘፍቅሮም ደቂ ሰባት ኣብዛ ምድሪ ንዘልኣለም ንክነብሩ ኣይኮኑን ድልየቱ።እምበኣር ተዘይተምበርከኽካ ኢሎም ዘጛይዩኻ ጸረ ሰናያትካ ተሃልዮም ጎይኻ ናብዛ ሕዝእቲ ስፍራ መጺኻ ተዓቆም።ንመን ክረኽቦ ብኸመይ፣ዝብል ስክፍታ ኣይሃሉኻ።ዙርያኻ ብኣገልገልቱ ተወቂቡ ኢዩ ዘሎ።እንተሓሚምካ ብዙሓት መንፈሳውያን ነርስ ኣሎዉ፣ምስቲ ሰማያዊ ዶክተር ዝኾነ ፈጣሪኻ ዘራኽቡ፣ጥርዓን ተልዩካ፣ቆንስላውያን ኤንባሲታት ናይ ፈጣሪ፣ክትሕባእ ካብ ዓለም ሃድምካ ኣብቲ ሕዛእቲ ናይ ፈጣሪ ክትሽጎጥ እንተደሊኻ ድማ የግድኻ፣መንፈሳውያን መራሕትን ሓለውትን ናይዛ ጫካ ኣሎውኻ።ነቲ ግሩም ጫካ፣ኣብ ክንዲ ብጽባቔኡ ተደኒቕካ ጡዑም ሽታ ናርዶሱ ክትዕንገል ኣክንዲ ትህንደድ ግን "ተዘየንደድክዎ፣" ነቲ ምኡዝ መንፈሳዊ ሕክምና "ተዘይኣፍረስክዎ"፣ነታ እናሻዕ መንፈሳዊ ጥርዓን ናይ ፍጡራን ናብ ፈጣሪ፣ ብመንገዲ ጸሎት ዝካየደላ ኤምባሲ ድማ ፣"ብፍጡራዊ ኪደት ተዘይተማሕደረት" ኢልካ ኣብ ዘይመንጠቢትካ ኢድካ ኣይትምለስ። ኢድካ ከይትሓርር።ቅድሜኻ ብዙሓት እዞም ብታሪኽ ዝጠቐስካዮምን መዓልታዊ እትመሃሮምን፣ንዕንወታ ጽዒቶም ኢዮም ግን ፈሪሶም ከምዝተረፉ ባዕልኻ እነኻ ምስክር።


14. ሕቶ፣- ኣብ ሓደ ወለዶ፡ ኣብ ሓደ ዘመን።
ደስ ድዩ ዝብለካ፧
ማዕጾኻ ክኹሕኳሕ
ንሰብ ከተቐብል
ኣብ ኢዱ ንዘሎ መፍትሕ
ንምዃኑ ኸ መኣስ ኢኻ ከተዕርፍ፧

መልሲ፣-እወ ደስ ይብሎ ኢዩ።ፍጡራቱ መዓልታዊ ነታ ረቃቕ ማዕጾኡ ክኩሕዋ ክንደይ ደስ ይብሎ መስለካ!እዞም ብኢዱ ዝፈጠሮም ዘመናት፣ ዘመኖም ምስ ኣብቅዐ፣ነቶም ዘመናት ዘይክግድቦም ኢሉ ዝፈጠሮም ደቂ ሰባት፣ኣብቲ ንሱ ዝመደቦ ዘመን ክጽውዖም ኢዩ፣ንሳቶም ድማ ክኹሕኩሕዎ ኢዮም።እዛ ምልኣት ዘመን ዚኣ መዓስ ኢያ ክትኣክል ቁልፊ ኣብ ኢዱ ምህላዉ ምምስካርካ ጽቡቕ ምስክር ተዓዚበልካ ኣሎኹ።ስለዚ ብገዛእ ኣእዳውና ዝቆለፍናዮም መፋትሕ፣ብፉጡራዊ ጉልበትና ክፍትሑ ስለዘይከኣሉ፣ነታ መፍትሕ ዝሓዘድ ኢድ ፈጣሪ ምምዕዳው ከድሊ ኢዩ።ምላልባሽ ንነገራትና ባዕልና ብገዛእ መፍትሕና ዝቖለፍናዮም ክመስለና ይኽእል ኢዩ።ቆላፍን ፈታሕን ግን ንሱ ኢዩ።ክንፍታሕን ክንቁለፍን ድማ ፍቓደኝነት ኣባና ኢዩ ዝምርኮስ።"ክፍታሕ ደልየ፣ክሽገጥ ይሕሸኒ" ዝበለ ኣእምሮ ናይ ፍጡር፣ኢድ ፈጣሪ ዝርግሕቲ ኢያ።ግን ምርጫ ፍጡራን ዘብቅዓሉ ዘመን ከኣ ኣሎ።እቲ "ኣብዚ ይሕሸኒ" ኢልካ ዝምረጸሉ ዘመን ሕጂ ኢዩ፣ድሕሪ ጉድጋደ መቓብርሲ ናይ ምምራጽ ዕድል ይዕጾ ምበር ንኽትመርጽ ባይታ ኣይክፈትን።"ኣንታ ፈጣሪ፣መዓስ ኢኻ ከተዐርፍ" ዝብል ስንፍናዊ ሕቶ ነቢበልካ ነይረ፣ክነግረካ ፈጣሪ ኣይደክምን ኢዩ።ዘይደክም ድማ ኣየዕርፍን ከመይ ኢሉኸ ክደክምን ከዕርፍን።በንጻሩ ፍጡር ግን ኩሉ ግዜ ምስ ደኸመ ኢዩ። ሕቶኻ ንባዕሉ ንኣእምሮኻ ከምዘድከሞ ግሩም ምስክርነት ኢዩ።ድኻም፣ዕረፍቲ፣ድቃስ ምትንሳእ ዝብሉ ባህርያት ድምዳሜ መታን ክረኽቡ ፈጣሪኻ ስለፍቕርኻ ክብል ብተዋህዶ ለቢስዎም ኢዩ።

ክርስቶስ "ሓሚሙ፣ደኺሙ፣ደቂሱ፣ጸሚኡ፣ጠምዩ፣ለሚኑ፣ተሰቒሉ፣ደምዩ፣ሞይቱ፣ተቐቢሩ" ዝብል ክርስትያናዊ ምስክርነት ብወረ ሰሚዕካዮ ትኸውን ኢኻ።እዞም ዝበልናዮም ድኻማት ብእርይ ቁጽር፣ንፍጡር ዝውክሉ ባህርያት ኢዮም።ስለዚ ካባኻ ከልግሱ ተኾይኖም ፈጣሪ ክለብሶም ነይርዎ።በቲ ሓደ ወገን ድማ ሓሚሙ ክበሃለሉ እንከሎ፣ረቀቕቲ ኣቕሳል ይዝነኑ ነይሮም፣ጸሚኡ ጠምዩ ዝብል ዛንታ ክትሰምዕ እንከለኻ፣ካብ መንፈሳዊ መግቦቱ ንምጦ ነይርና፣ሓሚሙ ሞይቱ፣ተቐቢሩ ዝብል ዘሕዝን ዜና እንክትሰምዕ፣ሕማምና፣ሞትና ቀብርና ድምዳሜ ይገብረሉ ምንባሩ ኢዩ።እዚ ምግባሩ ፈጣሪ የመስግኖ እምበር ከመይ ከንቅፎ ተኻኢሉ! ደጊም ታሪኽ ድኻም ተዓጽዩ ኢዩ።ፈጣሪ እንደገና ብሕጂ ክደኽመልካ፣ክሓመልካ፣ክልምነልካ፣ክሳቐየልካ፣ክሞተልካ ትጽበ ተሊኻ በየማነይቱ ዘኾልስ ዝነበረ ሰብ፣"ብክልቲኤን የእዳውካ ገይርካ ኣኾልሰኒ" ኢሉ ክርክር ዝገብር ሰብ ትመስል ኣሎኻ። ብርግጽ ፈጣሪ ብኽልተ ኣእዳዉ ጥራይ ዘይኮነስ፣ኩሉ ነፍሱ ስለዕንጋሌኻ መግቢ ኮይኑ መጺኡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ጥሜንትካ ሙግርምራምካን ዓጺዎ ኢዩ።ክቡር ሓታቲ ሓወይ፣ተኾነ ብውህበቱ ደስ ይበልካ፣ካብ ደስታና ድማ ንዓ ተቓደስ። ተዘይኮነ ግን ኣብ ቤት ደስታ መጺኻ ኣይትረብሽ።

ኣድማስ ፍጥርቲ ክሳብ ዝኾነት፣ናይ ፈጣሪ ኢያሞ ኣብ ልዕሊ ስርዓተ ኣድማስ ብፍጡራዊ ኣእምሮኻ ተጠቒምካ ጽገና ናይ ኣድማስ ክትገብር ኣይትሓልን። ዓቕሚ ክሳብ ዘይሃለወካስ ትም ደኣ ከኣል።ከመይ ኢሉኸ ፈጣርያዊ ዓቕሚ ክህልወካ፣ንስኻ ኣካል ናይ ኣድማስ ፍጡርምበር፣ክንዮ ኣድማስ ክትጋልብ እትኽእል ናይ ፈጣሪ ፈረስ ኣይኮንካን።ንዓኻ፣ፈጣሪ ኣብ ክበብ ናይ ኣድማሱ ንኽትነብር ፈቒድልካ ኣሎ፣ክንዚ ዝኣክል ዓቢ ዕድል ቀሪብልካ ኣሎ፣፣ኣብዚ ኮይነ ከም ኣብ ማህጸን ኣዲኡ ዘሎ ህጻን "ንናይ ዓለም ናብራ ከመይ ይመስል ግለጽ" ተባሂሉ እንክሕተት ኩሉሙሉ ንምግላጹ ዝእግሞ፣ኣብዚ ኮይነ ንምግላጻ ዓቕሚ እትሓጽረኒ እጽብቲ ስፍራ ኣዳሊልካ ኣሎ።ተኸኣልካ ተጸባዪኣ ኮይንካ ንዓ ምሳና ብተስፋ ተሓወስ፣ተዘይኮነ ግን ኣድማስ እትፈርሰሉ ዘመን ርሑቕ ስለዘይኮነ፣ክሳብ ሰዓቱ ዝኣክል ፍጡራዊ ትዕግስቲ ግበር። ጽባሕ ንተሃወጽቲ ርሕቕቲ ትመስል፣ንበዓል ተስፋ ግን ካብ ጽባሕ ዝቐርብ ማይክሮ ሰከንድ ፈጺምካ ኣይርከብን ኢዩ።

እግዚኣብሔር ንዝሓትት ሕልና በቲ መላሲ ባህሪኡ ክምልሰሉ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን።
ወስብሀት ለእግዚኣብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።
ኣእምሮ ዘመንጨዎም ሕቶታትን መልስታቶምን ኣብዚ ይፍጸም።
እዚ ጽሑፍዚ ኣብ ገጻት ፌስቡክ ተሓንጢጡ ዝተሰንዘረ፣
ንልቢ ገርህታት ኣብ ህልውና እግዚኣብሔር ዘላቶም እምነት ከደናግር ይኽእል ኢዩ ኢለ ስለዝገመትኩ፣
<<ብመልክዕ ቃንቃ ናይቲ ሓታቲ ዝተመለሰ ቁንጫል መንፈሳዊ መልሲ ኢዩ፣>>
ኢለ ዝቐረብክዎ ኢዩ።ሕቶ ክቕበል ፍቓደኛ ኢየ ግን ኣብ ፕሪቫት።

tirsdag 8. mai 2018

ናይ ኮቦርታ ፈተነ፡



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሀዱ አምላክ አሜን
ሰብ ብፈተነን ብዓወት ተነዲቑ ዝተሃምጸ ምኡዝ ህንጻ ኢዩ።ህንጻ ክጽብቕ ተኾይኑ፡ክሳብ ዝህነጽ ዘሎ ጎነጽ ደራሲ ሓንጢጡ፡ካድረ መዲሩ ኣይውድኦን።ሰብ ሰብ ተባሂሉ ህልውንኡ ዘኸረጋግጽ ፈተነን ዓወትን ዝጨበጠ ናይ እግዚኣብሄር ምስሊ ኢዩ።ኣሽንኳይዶ ሰብሲ እግዚኣብሄርውን ተፈቲኑን ተዓዊቱን ኢዩ።ናይ እግዚኣብሄር ፈተንኡን ዓወቱን ኣብ መስቀል ነበረ።ስለዚ ሰብ እንተተፈተነ ወይ እንተተዓወተ ናይ ኣምላኹ ኢዩ ወሲዱ።እዚ ድማ ፈተንኡን ዓወቱን ኩሉ ግዜ ኣብ መስቀል ተኾይኖም ኢዩ ንኣምላኹ ዝመስል።
ካብዞም ፈተነታት ናይ ወድሰብ ኢልና ንጽውዖም ሓደ ኣብ ኮቦርታ ዝፍጸም ፈተነ ኢዩ፡ዓወቱ ድማ ካብ ናይ ኮቦርታ ፈተነ ሲዒርካ እተምልጦ ናይ መንፈሳዊ ጽምብል ኢዩ።እዛ ናይ ኮቦርታ ፈተነ ሓጻር ትመስል ግን ነዋሕን መራርን፡ብዙሓት ዓይነት ሓጣውእን ጽድቅን ክተፍርየላ እትኽእል ዓባይ መድረኽ ኢያ።ለካ ናይ መስቀል ምረት ኣብዚ ተሰዊራ ስለዓወት ደቂሰባት ትቕልስ'ያ።

ገለ ገለ ፈተነታት ናይ ኮቦርታ ክንጠቅስ፡
¶¶¶ ናይ ተዘክሮታት ፈተነ፡-
ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት እተሕልፎ ዝነበርካ ስንፍና ይኹን ጅግንነት፡ኣብታ ሰዓት እቲኣ ከም ቃሕ ሰብ ኣብ ኣእምሮኻ ይሰኣሉሞ፡ንኹሎም ዘዘኪርካ በዚ ዘለኻዮ ከምተማርር፡እረ ሓደ ሓደ ግዜ ብኮቦርታ ተሓኒቕካ ሕደር ዝመጸልካ ግዜ ኣሎ።ኣብዚ መድረኽዚ፡ሕልና ጸጸኒሑ ኢዩ ሕሹኽ ዝብለካ፡ይዝከረካዶ ምስ በዓል ክስቶ ክትሰቲ እንከለኻ፡ክትስዕስዕ፡ዘመነ ንእስነትካ ትዝክሮዶ፡ኩሉ ሰብ ብመልክዕካ ረሪኡ ሰብ ክድነቐልካ፡ንዓኺኸ ይዝከረኪዶ፡ምስ ክስቶ ክትዘሪ እንከለኺ፡እንዳበለ ሕልናኻ ካባኻ ተመንቂሱ ስጋኻ በይኑ ምስ ኮቦርታ ከምዝተርፍ ይገብር።
√√√ ብሰንኪዚ ዝመጽእ ጠንቂ፡-
ስለምንታይ ንድሕሪት ተመሊስካ ትዝክር ኣሎኻ፡ከተማርር ፡ስለዝደለኻዶ ወይሲ በዚ ሕጂ ዘለካ ዝያዳ ከምዝዓገብካ ንእግዚኣብሄር ፍቕርኻ ዝያዳ ክትገልጸሉ ስለዝደለኻ ኢኻ፧
ወገነይ፡ስለምንታይ ንድሕሪት ተመሊስኪ፧ናይ ትማሊ ሂዎትኪ ዝያዳ ካብ ናይ ሎሚ ስለዘዕገበኪሞ፡ንእግዚኣብሄር ዝያዳ ካብ ናይ ሎሚ ከተመስግኖ ስለዝደለኺዶ፡ወይሲ ኣብ እግዚኣብሄር ዘለኪ ቅሬታ ክትገልጺ ስለዝደለኺ ኢኺ፧
√√√ መፍትሒኡ፡-
ሰይጣን በዛ ኩነትዚኣ ተጠቒሙ፡ምሉእ መዓልቲ ኣብ ምስጋናን ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትን ንዝወዓለት ነፍሲ፡ምሉእ መዓልቲ ከየሸነፋ ስለዝወዓለ፡ሕጂ ዕድል ስለዝረክብ በዛ መንገዲዚኣ ተጠቒሙ ክወስዳ ይሕልን።
ኣብ ኮቦርታ እንከላስ ሒዝዋ ናብ ቃልዕ ይኸድ፡ተሸፊና ኣላ ግን ከኣ ብዘይክንፊ በሪራ ዓዲ ዓዲ ከምትበጽሕ ይገብራ፡ድሕሪ ዝተወሰና ደቓይቕ ክትድቅስ ኢያ፡ግን ምስቶም ዝነቕሑ ኮይና ሓጥያትን ጽድቅን ተሰላስል፡ደኺማ ኢያ ዘላ ግን ምስቶም ብርቱዓት ትንፍር።ኣብዚ ጽድቅን ሓጥያትን፡ውድቅትን ትንሳኤን ዝተደባለቐለን፡ደቓይቅ፡ነፍሲ እንታይ ትግበር፧ ንናይ ትማሊ ተዘክሮ፡ጽቡቕ ተኾይኑ ደጋጊምካ ምዝካር የድሊ ኢዩ።ምኽንያቱ ካልእ ከየስተማቐርካዮ ዝሓለፈካ ጽቡቕ ክነብር ስለዝኽእል፡ሕጂ ዕድል ረኺብካ እንከለኻ፡ከምዚ እንዳበልካ ንፈጣሪኻ ኣመስግን።
ኣምላኸይ፡ቅድሚ 10 ዓመትሲ ካብ ምንዝርና ናብ ቃል ኪዳን፡ካብ ሓዳር ኣልቦ፡ምስ በዓልቲ ቤተይ፡ወይ ካብ ስጋዊ ሰብ ናብ መንፈሳውነት ዘሰጋገርካኒ ግዜ ኢዩ ነይሩ።ካብ ሳዕሳዓይ ናብ ወራባይ፡ካብ ደራፋይ ናብ ዘማራይ፡ካብ ተላኻፋይ ናብ ቃሕ ኢሉ ዘይጥት፡ካብ ጨጋርን ዘመናውነት ዝዓብለሎን ሰብ ናብ መንፈሳውነቱ በጨቕ ኢሉ ከም ቅዱስ ሙሴ ገጹ ብመንፈሳዊ ብርሃን ዝደጉሕ ግዜ ኢዩ ነይሩ። ሽዑኡስ ከምቲ ዝነበርክዎ እንተዝቕጽል ጥፍኣተይ ማዕረ ክንደይ ከቢድ ምንባሩ ሕጂ ጎሊሑ ተረኣየኒ ኣሎሞ ስለዝገበርለይ ኩሉ ተመስገን።ቅድሙ ዝነበረ ካካይ ሂዎተይ እካ ከይተጸየፍካ ዝሓቐፍካኒ ደኣ፡ናይ ሕጂ ድኻመይ ማዕረ ክንደይ ሸለል ዘይትብለኒ፡ናይዚ መርኣያ ድማ ብንስሓ መታን ክጸሪ እተገብሮ ዘለኻ ትዕግስትኻ መመሊሰ ንኸመስግነካ ሕልናይ ይድርኸኒ ኣሎ።" እንዳበልካ፡ንውድቀትካ ብናይ እግዚኣብሄር ቀላጽም ከምዝተንሳእካ ንሕልናኻ ብትረት ኣእምኖ።
¶¶¶ ስጋዊ ፍትወት፦
ሕዛ ዓይነት ሕማምዚኣ ዋላ ነቶም ሰብ ቃል ኪዳን ተላቢዓቶም ኢያ።በዛ ለኽፊዚኣ ዘይልከፍ ሰብ ይከሰስ።ሰበይቱ ምስኡ እንዳሃለወት፡ቀትሪ ቆራጽ መራጽ ገይረን ከረኣየኦ ዝወዓላ ይዝክርሞ፡ብፍትወት ምስአን ይነድድ።
ኣብ ኮቦርታ ምስኡ ዘለ ብዓልቲ ቃልኪዳኑ፡ንሱ ግን ብሕልንኡ ኣብ መገሻ ኣሎ።ነታ በዓልቲ ቃል ኪዳኑ "ቁሩብ ተጸበይኒሞ፡ንእሽቶ ዑደት ገይረ ክመጽእ ኢየ" እንተዝብላኳ ምሓሸ።ንሳ ካብ ፍትወተ ስጋ መታን ክሕልወኒ፡ደጋፊ ክኾነኒ ኢላ ዝሓዘቶ ኣማኒኣ፡ሕጂ ግን ብሕልንኡ ኣብ ኮቦርታ ተጠቕሊሉ ክንሱ፡ከይዱ ጠሊምዋ።ለካ ኣብ ኮቦርታ ኮይንካውን ጥልመት ኣሎ ኢዩ።በንጻሩ ድማ ንሳ፡ኣብ ዕላላቶም ከስግልን ጸጸኒሑ፡"እ እ፡እ፡እ፡" ክብላ ምስ ጀመረን፡ንሳውን ምስኡ ኣብ ኮቦርታ እንዳሃለወት ገዲፋቶ ትገይሽ።ክልቴኦም ኣብ ኮቦርታ ግን ከኣ ኣብ መገሻ።ወይ ናይ ኮቦርታ ፈተነ !!!
" እንታይ ኮይኑ ኣስጊሉ፧ምስታ ቀትሪ ኣብ መንገዲ ሰላም ዝብላ ዝነበረዶ ደኣ ርክብ ጀሚሩ ኮይኑ፡በቐዳማይ'ውንኮ ሓንቲ ደዊላትሉ ነይራ ኢያ፡ኣነባ ኢየ ዓሻምበር፡ንሱስ ቀደም ሸይጥኒ ኢዩ።ሕጅስ ኣነ ምስኡ ኣብ ኮቦርታ ስለዘለኹምበር፡ፍጹም ኣይምዘከረንን" ኢላ ነቲ ንዑኡ ዝኸፈለቶ ናይ ቃልኪዳን መንፈሳዊ መስዋእቲ ከም ዋጋ ኣልቦ ትቖጽሮ።ወይ ጉድ ንባዕላ ሕጂ ምስኡ ዘየላስ ምስኡ ኣሎኹ ከኣ በለት።እዛ ኮቦርታ በይና ገዲፎማ ተዓዚሮምሲ ኣብ ኮቦርታ ኣሎና ከኣ ይብሉ።
ኣብ ኮቦርታ ብሕልና፡ ስጋዊ ፍትወት ዝተሓሓዝ ቀንዲ ከኣ ምስ ሰብ ሓዳር፡ዝሙት ኢዩ።መጽሓፍ ቅዱስ፡"ኣብ ልዕሊ ጓህሪ ዝኸደ ሰብከ ኣእጋሩዶ ኣይሓርርን ኢዩ፧ምስ ሰበይቲ ብጻዩ ዝዝሙ ሰብ ከኣ ከምኡ ኢዩ፡ከምዚ ዝገብር ሰብ ከይተቐጽዐ ከቶ ኣይተርፍን ኢዩ።(ምሳ6፣28-29)" ይብል።ስለዚ እዞም ክልተ ሰብ ሓዳር፡እተማሙቖም ኮቦርታ ገዲፎም እተንድዶም ጉህሪ ከናድዩ ብሓሳቦም ተዓዘሩ።
ንንጽል ሰብ፣ሰብ ቃል ኪዳን ዘይኮኑ ከኣ፡-
ቀትሪ ክርእይዎ ዝወዓሉ፡ንኣብነት እታ ወይዘሮ፡ኣወዳት ከመስግንዋ ዝወዓሉ ምስጋናታት በብሓደ ትጽብጽበን።ናይ መነን ትጽብቕ፡ናይ መኖም ዕግበት ትህባ ኣብ ኮቦርታ ኮይና ብሕልናኣ ምስ ኩላቶም ኣብ ኮመንት ጸጺሕፎም መታን ክንእድዋ፡ናይ ፍትወተ ስጋ እንግዶት መታን ክኾና ኢላ ኣብ facebook ዝለጠፈታ ፎቶ፡ደጋጊማ ነቲ ኮምንትታት ትገናጽሎ።ነቶም ሰባት ድማ በብስሞም ነቲ ዘደንጹ ፍትወታ ተዐንግሎም።እቲ ዝገርም፡ምስ ሓደ ጥራይ ከይኣክል ንኹላቶም ዘለዋ ክቱር ፍትወት ንኸተርኢ፡"እዋይ ምስ ክስቶስ፡ኣቤት ክስቶስ፡"እንዳበለት ኣብዘን ዝተወሰና ደቓይቕ፡ብሓሳባ ምስ ኩላቶም ብሕልናዊ ዝሙት ትእለኽ።
ሓይሊ ስለትስእን እምበር፡ንኹላቶም ጸጸዊዓ ምስ ፍትወታ ከተአንግዶም ኣይትጸልእን።ሽዕኡ ምስቲ ኮቦርታ እንዳተጠቕለለት ፈጺማ ካብኡ ብሓሳብ ትንጠቕ።ንኹላቶም በብስሞም፡በብመልክዖም ዘዝግብኦም፡ክስቶ ከምዚ ደሊኻሞ እንካ፡ክስቶ እዚኣ ትሕሸካሞ እንካ እንዳበለት ቀርብለይ ከይበልዋ ባዕላ ንፍትወታ ተእንግዶም።መጽሓፍ ቅዱስ፡"ምድሪ መስዩ፡ ሽዑኡ እታ ኣመንዝራ ሰበይቲ ክትቅበሎ ወጸት፡ክዳን ኣመንዝራ ተኸዲና ነበረት፡ተንኮል ድማ ትኣልም ነበረት፡ኣብ ገዝኣ ድማ ኮፍ ኣይትብልን ነበረት።ሓንሳእ ኣብ ኣደባባይ፡ሓንሳእ ኣብ ዕዳጋ፡ ሓንሳእ ኣብ ቀራና መንገዲ ኣድብያ ትጸንሕ ነበረት።ነቲ መንእሰይ ከኣ ሓኒቓ ሰዓመቶ። (ምሳ7፣10-12)" ኢሉ ናይዛ ኣብ ኮቦርታ ተሸፊና ብሕልና እትሃድን ዘላ ናይ ከቦር ሃዳኒት ቅዱስ ሰሎሞን ቁልጭ ኣቢሉ ይነግረና።
√√√ ጠንቂ ናይዚ፡-
ቀትሪ ብሕልና ክትዝምዎም፡ዝወዓልካ ከይኣኽሉ፡ሕጂ ብምድጋምካ "ናብ ምሉእ ለይቲ ይሰጋገረለይ፡ሕልናዊ ዝሙት ኣይመነኹዎን፡እተን ብግዜ ቀትሪ ዓይነይ እንዳረኣኹ ክምነየን ዝወዓልኩ ሕጅውን ቢስ ቢስ ቢስ፡ዋላ ብድቃሰ ክረኣያኒ ኣሎወን፡" ንምባል እትጽልዮ ጸሎት ድዩ ወይሲ፡ሓቀኛ ጸላኢ ዝሙት ስለዝኾንካ ኢኻ፧ ጸላኢ ዝሙት ተትኾውንሞ፡ምስ፡ዘዝዘከርካያ ጓል ሄዋን፡ንዝሙት ስለዝተመነኻ ብንብዓት ምተሓጸብካ።ወዮ ደኣ ኣይተረዳኣካንምበር ትምነያ ሄዋን እንዳቀተልካያ ኢኻኮ፡መጽሓፍ "ሓደ ዝዘመወ ሰብ፡ እታ ኣካሉ ምስቲ ዝምንዝር ዘሎ ሓደ ኮነ" ይብል።ስለዚ ምስኻ ክትቃጸል ተደሊኻ፡ንዓኣውን እሳት እንዳተመነኻላ ኢኻ።ብርግጽ በዚ ዝገበርካዮ ሕሳት ተንጠልጢሉልካ ኣሎ።እዚ ንስኻውን ኣይትዝንግዖን ኢኻ፡ኣብዛ ሓጻር ደቓይቕ ኣብ ኮቦርታ ኮይካ ነዚ ከተሰላስል፡እንታይ ዘዕውት ነገር ስለዘሎ ኢዩ፧ናይ ዝሙት ድምር ዓወቱ ሲኦላዊ ዋጋ ኢዩ። ዓስብኻሞ ትግምቶ ዲኻ፧
√√√ መፍትሒኡ፡-
ወገነይ ብዓል ቃል ኪዳን ዲኻ፡ልዕሊ ማንም ኣምላኽኻ ነዛ ምሳኻ ኣብ ኮቦርታ ኣምጺልካ ዘሎ ኣምላኽ፡ካብ ዝሙትን ፍትወትን ንኽትሕሎ፡ደጋፊትን ናይ ዘርእኻ ቀጻልነትን ንኽትረክብ እግዚኣብሄር ማዕረ ክንደይ ከምዝሓለየ ኣስተብህል።እዚ ናብ መስቀል ክወስደካ ኢዩ።ኣምላኽኻ ምስ ቤተ ክርስትያን ኣብ መስቀል ኮይኑ ብደሙ ቃል ኪዳን ኣሰረ።እዛ ሕጂ ምሳኻ ኣብ ኮቦርታኻ ዘላ፡እግዚኣብሄር ዝሃበካ እኳ እንተኾነት፡ባዕልኻ ከምዝመረጽካያ ግን ኣይትረስዕ።ክርስቶስ ንቤተክርስያን መረጻምበር።ቤተክርስትያን ንክርስቶስ ኣይመረጸቶን፡ንሱ ምስ መረጻ ግን ንሳዉን ፍቓዱ ክትፍጽም ፍጹም ማሕላ ፈጸመት።ክልቲኦም ዝተጠቐምሉ ማሕላ ኣብ መስቀል ነበረ።ንሳኻውን ወገነይ፡ክትመርጻ እንከለኻ፡"ብዘይካኺ ካልእ ኣይክጥምትን ኢየ፡ድሕሪ ሕጂ ከፊእኪ ጸቢቕኪ ክሳብ መቓብር ናተይ ኢኺ" ኢልካ ዝመርጽካያ ክንሳ፡ሕጂ ብሕልና ምጋሽካ፡  ክሳብ ኮቦርታ ኮይና ድዩ ነይሩ ማሕላኻ፧ ክርስቶስ ማሕልኡ ክሳብ መቓብር ጥራይ ኣይነበረን፡ክሳብ ዘልኣለም እምበር።
ንስኺ ሓፍተይ፡በይንኺ ዲኺ ኮይንኪ፡ወዮ በይንኺ መሲልኪምበር፡በይንኺ ኣይኮንክንን።እግዚኣብሄር ከ ናበይ ከይድኪ፧እንታይ ኢልክዮምከ ነቶም ዘመስገኑኺ ኣጓብዝ ትጥምቲ፡ምጥማት ምጥማቱስ ቆጺርካ ዘይውድኡ ቅዱሳን ኣብ ዙርያኺ ከቢቦምኺ ኣሎዉ።እግዚኣብሄር ከምታ ኣዴኡ ኣብ ጨርቂ ዝጠቕለለቶ፡ምሳኺ ካብ ፈተና መታን ከውጻኪ ኣብ ኮቦርታኺ ተጠቕቅሊሉ ኣሎ።ኣየስተውዓልክን እምበር፡ንሱ ኣብ መብልዒ ማል ዝተጠቕለሎኮ፡ኣብ ኮቦርታ ኮይንካ ንዝስራሕ ናብ ሲኦል፡ዝመርሕ ሓጥያት ጎንዲቡ ምሕረት መታን ክገብር ኢዩ።
ማንም ምልኩዐኛ ወዲ ክትዝክሪ እንከለኺ፡"ኦ ጎይታይ ከማኻ ዝበለ በዓል፡ግርማስ ፍጹም የለን በሊ፡መዳሪ ተዛራቢ ሰብ ንልብኺ ዝሰለበ ኣብ ሕልናኺ እንተመጽዩ፡ጎይታ ኣብ ነዊሕ እምባ ኮይኑ ዝሰበኣኮ ስብከተ ኣንቀጸ ብጿኣን ዘክሪ፡ጨሓም ጉልቡት ነዊሕ ዝቑሞቱ ተኾይኑ ንናዝራዊ ግሩም ዝመልክዑ ክርስቶስ ዘክሪ።ሽዑኡ ካብዚ ዘለኽዮ ፈተነ ኣምሊጥኪ መታን ክትዕወቲ፡ኦ ኣምላኽ ዝሕሸኒ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻሞ፡ነቲ ዝሕሸኒ ስደደለይ ኢልኪ ለምኒ። ሰይጣን በዛ ልማኖዚኣ ተጠቒሙ ኢዩ፡ናብ ሓጥያት ዝሸመኪ፡ንስኺ ንጽቡቕ ዝሓሰብክዮ፡ሰይጣን ግን ምስ ብዙሓት ኣብ ዓራት ኮይንኪ ከምትዘሪ ይገብረኪ ኣሎ።ኣስተውዕሊምበር ኣይትተሃመሊ።
¶¶¶ መደምደምታ-
ልብና ንምስጋና የንቅድ።ሕልና ወድሰብ ካብ ምስጋና እንተተነፊጉ፡ክወድቕ ግድን ኢዩ።ዓወት ብምስጋና ኢዩ ዝጅምር፡ብምስጋና ከኣ ይጭረስ።ውድቀት ድማ ብምምራር፡ኣብዛ ሓጻር ደቓይቕ፡ኩሉ ታሪኽ ሂዎትካ እንዳገንጸልካ ንእግዚኣብሄር ተመስጊንካዮ፡ማዕረ ክንደይ ዝኣኽሉ ቅድስናታት ከምዘጠራቐምካ ተመልከት።ቅዱሳን መላእኽቲ 24 ሰዓታት ኣብ ምስጋና ይተግሁ።ንስኻ/ ንስኺውን ኣብዛ ንእሽቶ ናይ ኮቦርታ ወቕቲ ኣብ ምስጋና እንተተጸሚድካ፡ምስ ቅዱሳን እንዳሓበርካ ኢካ።ንስኻ ከይፈለጥካ ምስጋናኻ ግን ናብ መምበረ ጻባኦት ይዓርግሞ መልሲ ሒዙ ድማ ኣብ ደቓይቕ ደበኽ ይብለካ።ለካ በረኸትሲ ኣብ ኮቦርታውን ኣሎ ኢዩ።
ኣብ ኮቦርታ ኮይና፡ንነፍሲ ወከፍ ታሪኽኻ ብዓይኒ ዘይዕጋበት፡ኣብ እግዚኣብሄር ድማ ብፍላይ ብዓይኒ ቅሬታ ትጥምቶም ተኾይንካ ግን፡ከይተረዳኣካ ምስ ፈጣሪኻ እንዳተዳረግካ ኢኻ።መን ኮይንካ ኢኻሞ ንፈጣሪኻ ትከራኸር፧ ዋላ ኣለኒ ኢልካ እትምሓክሉ ግብሪ ጽድቂ ይሃልኻ፡ንሱስ ብዘይ ረዲኤት እግዚኣብሄርዶ ፈጺምካዮ ኢኻ፧ ኣይፋልካን።በዛ ንእሽቶ ናይ ኮቦርታ ሓጥያት ኣብ መንበረ ሲኦል ብዙሓት ኣጋንንቲ ዕልልተኦም ደርጊሖም ኣሎዉ።ወዮ ንስኻ ኣይፈለጥካን እምበር በዛ ኣብ ኣምላኽኻ ዝፈጸምካያ ንእሽቶ ቅሬታ ማሕበረ ኣጋንንቲ ብሕበረት ናይ ታሕጓ ጨብጨባ ኣስሚዖም ኢዮም።ስለዚ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከይዶም፡"እቲ ንስኻ ኣብ መስቀል ተሰቒልካ ዝዓደግካዮስ፡ሕጂ ናትና ኮይኑ፡እቲ ዝተበጃኻዮስ፡ባዕሉ ተማሪኽልና፡እንቋዕ ሓጎሰካ፡" ዝብል ባጫ የስምዑ'ለዉ።ዕጉስ እግዚኣብሄር ግን ትንሳኤኻ ክጽበ ይጽመመካ።እሞ ወገነይ ድቃስ ናይ ሞት ምሳሌ ኢዩ።ቅዱሳን ኣበው ፡ንእሽቶ ሞት ኢሎም ይሰምይዎ ንድቃስ።እሞ እዛ ሰዓት እዚኣ ምላልባሽ እግዚኣብሄር ናይ መወዳእታ ትዕግስቱ ክትከውን ስለትኽእል፡ንጽባሕ ወጊሓ ንንስሓ መታን ክትዳሎ ንኣምላኻ ዕድመን ንስሓን ለምኖ።ነዛ ግዜዚኣ ሓጻር ኢያ ኢልካ ከይነዓቕካ፡ ከም ፍያታዊ ዘየማን ተጠቐመላ። 
"ተዘከረኒ እግዚኦ በውስተ መንግስትከ።"
ዕለት 27 may 2017 ተጻሓፉ
ወስብሀት ለእግዚኣብሄር

lørdag 5. mai 2018

ኣእምሮ ዘመንጨዎም ሕቶታትን መልስታቶምን 4ይ ክፋል፣-

Bilderesultat for questions of brain
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።
10.ሕቶ፣-ኣበየናይ ጐዱፍ ደርቢኻኒ፧
ኣበየናይ ከውሒ፧

መልሲ፣- ዘለኻዮ ጎድፍ ኣይኮነን፣ጎዱፍ ግን ክኸውን ኢዩ።ዓለም ጎዱፍ ኣይኮነትን፣ገነት ድማ ኣይኮነትን።ብዙሓት ኣብዛ ምድሪ ስለዝጠዓሞም ኣብ ገነት ዘለዉ ዝመስሎም ኣሎዉ።በንጻሩ ገሊኦም ስለዝመረሮም ከኣ ኣብ ሲኦል ከምዘለዉ ገይሮም ዝሓስብዎ መሊኦም ኢዮም።ዓለም ግን ዓለም እምበር፣ሲኦል ወይ ገነት ኣይኮነት።ሰብነት ወድሰብ ኣብዛ ዓለም ንዘለዎ ሃልወት ምስ ኣብቅዐ ግን ጎዱፍ ኮይና ክትውሕጦ ኢያ። ኣብ መቓብር።ከልቅስሉ ግን ክቐብርዎ ዮም።ብከውሒ ድማ ክድብደብ ኢዩ።ንመሬት ዝፈጠረ ፈጣሪኻ ኢዩ፣ንከውሒ ዝፈጠረውን ፈጣሪኻ ኢዩ።እሞ ንከውሕን ሓመድን ክፈጥር ዘይኣገሞ ክንዮ መቓብር ልዕሊ ናይዛ ዓለማዊት ክብሪ ኣኽቢሩ ከንብረካ እንታይ ይእግሞ፧ ዶስ "ዓለም ፈጣሪ የብላን፣ባዕላ ኢያ ተፈጢራ፣ካብ ሓደ ኢለመንት ዝመበገሲኡ ጀሚራ ድሕሪኡ እንዳዓበየ እንዳዓበየ ምስ ከደ ድማ ናብዚ ዘላቶ ቅርጺ ክትሕዝ ክኢላ" ዝብል ውዱቕ ፍጡራዊ ኣእምሮ ዘመንጨዎ ቅማሬ ሓሳብ ክትስዕብ ስለዝደለኻ ኢኻ፧ ብዙሓት ምሁራት ኢና በሃልቲዶ ለኪሞምኻ።ተኾነ ደድሕር ፍጡር ምኻድ የዕብር እምበር ኣየህጥርን፣ተዘይኮነ ግን ንስኻ ከም ምርጫኽ ግበር፣ነቶም ደድሕር ፈጣሪ ዝመረጹ ግን ኣይተጎናድቦም ሕደግ።ሰሪዚውን ኣብ ናይ ጽባሕ ደሞዝካ ክትክፈሎ ኢኻ።ኢድ ጸናሒት ሸናሒት ኢልካ እትምስሎ ናትካዶ ኣይኮነን፧


11. ሕቶ፣- ውጽእ ኢለ ካብ ውልቃዊ ሕቶ
ኢድ ሂብካዮ ከተብቅዕ
ንምታይ ግን ንሰብ ብኣእምሮ ትሕዞ፧
ንቕድኻ እናተኸተሉ
ትዕዘቦምዶ እዞም ዘሽካዕልሉ፧

መልሲ፣- "ኣእምሮይ ክንዲቲ ንስኻ ትፈልጦ ክፈልጥ ነይርዎ እንዳበልካ ኢኻ።ኩሉ ሰንኪ ዘይምፍላጠይ፣ፍልጠተይ ቆንጢሩ፣ስለጽባሕ ሰንኪ ክፈልጥ ዘይምኽኣለይ ብቀትካ ይረኣየኒ ኣሎ።" ዲኻ ትብል ዘለኻ፧ጨለ ዘረባ ኢዩ ዝመስል፣ግን ምስቲ ላዕላይ ጹሑፋትካ ዝጻላእ ኢዩ።ኣእምሮ ደቂ ሰባት ንናይ ፈጣሪ ኣእምሮ ስለዘይበጽሕዎ ድዩ ቅሬታኻ፧የለን የለን።ንጽሓይ እካ ክንደይ ዝኣክል ሓይሊ ኪሎ ዋት ትውንን ክትመዝኖ ዓቅምኻ ዝልክዖ ኣይኮነን።እዚ ዘይምፍላጥካ ድማ ንጽቡቕካ ኢዩ ሓሲብልካ ፈጣሪኻ።ፐርከስ ንፈጣሪኻ ጥቕልል ኣቢልካ ከምዛ፣5+5 እተፈሊጥካዮ ከም ፍጡርውን ዘይክተኽብሮ ምኻንካ ስለዝፈለጠ ኢዩ፣እዚ ማለት ድማ ስለዘየኽበርካዮ ክብረቱ ከይቅነሶ ሰጊኡ ዘይኮነስ፣ገዛእ ሰብነትካ "ኣነ ኢየ ኣምላኽ፣" ናብ ዘብል ዕብደት ንኸይትበጽሕ ኢዩ።ስለዚ ንኣእምሮኻ ብብዙሓት ሕቶታት ዝተኸበበ ከምዝኸውን ገይሩ ሰሪሕዎ።እዞም ነንመዓልቱ ዝኽሰቱ መልስታት ናይ ኣእምሮኻ ሕቶታት ድማ፣ዕረፍትኻ እምበር ጎርቢ ዘይምኻኖም ፈጣሪኻ ይፈልጥ ኢዩ።


12. ሕቶ፣-ኣእምሮ ካብ ምግሳስ


መልሲ፣- ፈጣሪ ናይ ኣእምሮ በዓል ቤት ክኸውን ይደሊ፣እዚ ድማ ንጥቕሚ ኣእምሮምበር ፈጣሪ ካብ ውህበታቱ በቒቑ፣ቁንጣሮ ካብ ኣእምሮ ዝጽበዮ ስለዘሎ ኣይኮነን።ስለዚ ናይ ኣእምሮ ፈጣሪ ኣብ ውሽጢ ኣእምሮ ሰፊሩ ንኣምሮ ክመርሕ ይደሊ።ፈጣሪ ምስ ኣእምሮ ኪዳን ይተኣታቶ።ግን ብሕጋዊ ቃል ኪዳን እምበር ብዓመጽ ወይ ብስርቂ ኣይኮነን።ፈጣሪ ዘይተኾየጣ ኣእምሮ ሰይጣን ክካረያ ግድነት ኢዩ።ምኽንያቱ ኣእምሮ ካብ ተገዛእትነት ሓራ ዝወጻትሉ ዘመን የለን።ኣእምሮኻ ትሕቲ ፈጣሪ ብምኻኑስ፣ፈጣሪኻ ከም ሓደ ጎበዝ ንሓንቲ ጎርዞ ዓሚጹ ዝተጋሰሳ ገይርካ ሓሲብካዮ።ወገነይ፣ፈጺምካ ስሒትካ ኣሎኻ፣" ከምኡ ዝገብር፣ከምኡ ይነግር።" ዝዓይነቱ ኣብ ልብኻ ዘሎ ሕቡእ ስእሊ ብርዕኻ ትትረኸልና ኣላ።ንኽንደይ ዓሚጽካ፣ንኽንደይ ኣበሳቢስካ፣ንኽንደይ በዲልካ፣ንኽንደይ ብዘይፍታዎም ትሕቲ ኣእምሮኻ ኣምበርኪኻ ብርዕኻ ኣፍ ኣውጺኣ ትነግረና ኣላ።ምላልባሽ ንስኻ ንኻልኦት ዓብላልነትካ ተጠቒምካ ከምኡ እትገብር፣ኣእምሮኣዊ ጉልበትካ ተጠቒምካ፣ካብቶም ተዓመጽቲ ሕልፊ ተጠቃሚ መታን ክትኮውን ኢኻ።ልክዕ ኢዩ ፈጣሪኻ፣ልዕሌኻ ኢዩ፣ልዕሌኻ ድማ ይኽእል።እዚ ምኻኑ ግን ካባኻ ዝረብሖ ቅንጣብ ዘይምህላዉ እመን።ንሱ ከምኡ ዝኾነ ባህሪኡ ኩሉ ከኣሊ ስለዝኾነምበር፣ኣብ ልዕሌኻ ዓብላሊ ኮይኑ ዝንኡ ከርኢ ስለዝደለየ ኣይኮነን።ፍጡር ኣብ ልዕሊ ካልኦት ክዕብልል ዝህቅን፣ተጠቃሚ ክኸውን ስለዝደሊ ኢዩ።ንስኻውን ገና ካብ ማህጸን ኣዴኻ ወጺኻ ኣብዛ ዓለም ንዝተወሰነ ዓመታት ተቐመጥካሞ፣ ክእለትካ ግዱብ ምኻኑ ምስ ተረዳእካ፣"ፈጣሪየይ ዓሚጽኒ" ኢልከተግረምርም ትስማዕ ኣሎኻ። ወይ ግሩምሩም!
ወስብሀት ለእግዚኣብሔር።
5ይ ክፋል ይቕጽል---

እዚ ጽሑፍዚ ኣብ ገጻት ፌስቡክ ተሓንጢጡ ዝተሰንዘረ፣
ንልቢ ገርህታት ኣብ ህልውና እግዚኣብሔር ዘላቶም እምነት ከደናግር ይኽእል ኢዩ ኢለ ስለዝገመትኩ፣
<<ብመልክዕ ቃንቃ ናይቲ ሓታቲ ዝተመለሰ ቁንጫል መንፈሳዊ መልሲ ኢዩ፣>> ኢለ ዝቐረብክዎ ኢዩ።
ሕቶ ክቕበል ፍቓደኛ ኢየ ግን ኣብ ፕሪቫት።

lørdag 28. april 2018

ኣእምሮ ዘመንጨዎም ሕቶታትን መልስታቶምን 3ይ ክፋል፣-

Relatert bilde
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።
8. ሕቶ፣- ሕቶ ስለ ዝፈቱ
ንምንታይ ግን
ኣብ መዋእል ሕቶ ዘይተፈጠርኩ፧
ንምታይ ከ ፈጢርካኒ፧

መልሲ፣-ኣብቲ ላዕሊ ጅማርያዊ ጹሑፍካ "ሕቶ ትጸልእ ኢኻ ሰሚዐ"!ኢልካ ንፈጣሪኻ ክትከስስ ምጽናሕካ ኣይርስዖን ኢየ።ሕጂ ተገምጢልካ "ሕቶ ስለትፈቱ" ምባልካ፣ድብልቕልቕ ዝበለ ኣእምሮ ዘመንጨዎ ሓሳባት እካ እንትኾነ፣እታ እንኮ ክትገብራ እትኽእል ዓቕሚ እዚኣ ጥራይ ምኻና ሕልናኻ መስኪሩ።እትፍጠረሎም ዘመናት ኣብዚ ዘመንዚ ክፍጠር ነይርኒ፣"ኣብ ዘመነ ሕቶስ ኣይፋልን:ኣብ ዘመነ መልሲ እባድኣ ክፍጠር ነይርኒ"፣እንክትብል ድንግርግር ኢሉካ ብማዕዶ ትረአ ኣሎኻ።ኣታ ጎበዝ! ብንእሽቶ ግንዛቤ ኣቶኩር!! ኣብ ዘመነ ሕቶ ኢኻ ተፈጢርካ፣ዘለኻሉ ዘመን ድማ ዘመነ ሕቶ ኢዩ።ንስኻ ፍጡር ምኻንካ ንዓኻ ሕቶ ኢዩ።

ድማ ነገራት ሕቶ ኮይኖም እንክመጹኻ ኢዩ ዝምቅር እምበር ኩሉ መልሲ እንተኾይንካስ በስኒኻ ምትራፍ፣ ኣእምሮኻ ፍልጠት ንኸየፍልቕ ገደብ ይገበረለይ እንዳበልካ ምኻንካ ኢዩ።ስለዚ ብዙሓት ሕቶታት ኣሎዉኻ ክህልዉኻ ድማ ኢዮም።ከምኡውን ይምረጽ ከም ምኽሪ።ፈጣሪኻ ግን መልሲ ኢዩ፣ክፈጥረካ እንከሎ ንምንታይ ዕላማ ሰሪሕካ መልሲ ኣሎዎ።መልሱ 100% ኮይኑ ይፈልጦ ኢዩ።ንዓኻ ግን ብ100ቱ ክህበካ ንምስካሙ ዓቕሚ የብልልካን።18 ዓመት ዝገበረ መንእሰይ ስለምንታይ ኣብ ክበብ ማህጸን ነይሩ፣ኣብ ዘመነ በጽሕነቱ ደኣምበር ኣብ ግዜ ህጻንነቱ ኣይኮነን ንናይ ማህጸን ጥቕሚ ዝርዶ።ምኽንያቱ ዘመነ ህጻንነት ኩላቶም ምዕራፋት ሂዎት ዝመሃረሉ ደረጃ ትምህርቲ ኣይኮነን።እንዳጎበዘ እንክኸይድ ደኣ፣ መልስታቱ ምልኣት እንዳረኸበሎም ይኸይድ።ነዞም ንዑኡ ሕቶታት ዝኾንዎ ነገራት፣ከባቢኡ ምስ ደረጃ ዕድሚኡ ኣሰማሚዖም ቀስ ብቐስ እንዳመገቡ፣ታተ የብልዎ።ኣደ ጅማረ መምህር ናይ ህጻን ኢያ፣ኩላቶም ገጻት ሂዎት ግን ንውላዳ ብህጻንነቱ እንከሎ ክትምግቦ ኣይትመርጽን፣ስለዝበቐቐትሉ ኣይኮነትን።ብደረጃ ትሕቲኡ ስለዝኾነትውን ኣይኮነትን።ደረጅኡ ስለዝተገደበ ኢዩ።

ንስኻውን ወገነይ፣ኣብ ልዕሌኻ ንዘለዉ ከዋኽብቲ ክትቆጽር ዓቕሚ ዝግድበካ ፍጡርሲ፣ከመይ ኣቢልካ ንኹላቶም መልስታት ፈጣሪ ክትስከም ዓቕሚ ክትረክብ።"ዓቕሚ ስኢነ" ኢልካ ምልማን ጨለ ዘረባ ኢዩ።ከምዚ ይሕሸኒ ነይሩ ኢልካ ልዕሊ ዓቕምኻ ምህቃን ግን ንልብኻ ብናይ ሕልና ስሚ ገይርካ ክትቀትል ኢድካ ምውጥዋጥ ኢዩ።


9. ሕቶ፣- ዓዃይ እኳ ዓዃይ እዚ ደፋእ ድንኩል
ወቕቲ ዝመርጸሉ ዘርኡ ንኽበቍል፡


መልሲ፣-እንተ ምርጫነት ናይ ዓኾኻይ ምምስካርካ እሩም ዘረባ ኢዩ፣ንስኻውንኮ ብምርጫኻ እተከናውኖም ነገራት ኣሎዉ፣ወዮ ድኣ ከም ፈጣሪ ዘይኮንኩ ዘብል ስሰዐ ሒዙካ እምበር።ዓኾኻይ፣ዝመረጾ ዘርኢ ይዘርእ፣ንዘርኢ ክፈጥር ግን ዓቅሚ የብሉን፣ማይ ሰሪሑ ከስቲ ከምዘይክእልውን ስለዝፈልጥ፣"ማይ ተዘይፈጠርኩ"! ኢሉ ኣየግረምርምን'ዩ።እቲ ዝበቁል ዘርኢ ድማ፣"ብኢድካ ዝፈጠርካዮ ማይ ገይርካ ተዘይኣስቲኻኒ ኣይቦቅልን ኢየ": ኢሉ ኣድማ ኣይገብርን'ዩ።እሞ ንስኻውን ንህልውና ፈጣሪኻ ምእማን ምርጫኻ ኢዩ፣ዘይምእማንውን ምርጫ ኢዩ።ካብዚ ዝዓቢ ናጽነትከ እንታይ ደሊኻ።ዶስ "ምስ ሰይጣን ምምሕዛው ድሓን'ዩ" ኢሉ ሸለል ዘይግበረለይ ክትብል ስለዝደለኻ ኢኻ፧ ሰይጣንኮ ዓማጺ ኢዩ።ንሰጣን ንናይ ሕልናኻ ሉጛም እንክብተኽ ኣስተብሂልካሉ ትፈልጥዶ ትኾውን፧ እዚ ኢዩ ምስ ሰይጣን ምምሕዛው፣እሞ ኣንጻር ሕልና ዝዓጠቐ ሰብነት ሓቀኛ ብይን ካብ ፈጣሪ ዝወሃበሉ ዘመን ኣሎ ተባሂሉ እንተተኣወጀስ፣ፍትሒዶ ኣይኮነን፧ ነዚ ንስኻ ትቀበሎ ኣይትቀበሎ ብዘየገድስ፣ዓማጽያንን ተዓማጽያንን ሓቀኛ ደሞዞም ዝኽፈልሉ ዘመን ንኽመጽእ ኣብ ዑሙኺት ፈጣሪ ተዓቒሩ ኣሎ።
4ይ ክፋል ይቕጽል---
ወስብሀት ለእግዚኣብሔር!!!

እዚ ጽሑፍዚ ኣብ ገጻት ፌስቡክ ተሓንጢጡ ዝተሰንዘረ፣ንልቢ ገርህታት ኣብ ህልውና እግዚኣብሔር ዘላቶም እምነት ከደናግር ይኽእል ኢዩ ኢለ ስለዝገመትኩ፣<<ብመልክዕ ቃንቃ ናይቲ ሓታቲ ዝተመለሰ ቁንጫል መንፈሳዊ መልሲ ኢዩ፣>> ኢለ ዝቐረብክዎ ኢዩ።ሕቶ ክቕበል ፍቓደኛ ኢየ ግን ኣብ ፕሪቫት።


søndag 22. april 2018

ኣእምሮ ዘመንጨዎም ሕቶታትን መልስታቶምን! 2ይ ክፋል

Bilderesultat for the brain
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ።
6. ሕቶ፣- ፍትሒ ብረዲአት ክትመን
መሰል ብጸሎት ክልመን
ስለ ዘይቅበሎ
ንእምነተይ ስለ ዝቐትሎ፡
እመስለኒ ምልኪ
ምስልስል እብለኒ!
መልሲ፣-እዛ ፍትሒ እትብል ሓረግ ቀንዳዊ መንነታ ካበይ ኢዩ ትብል፧ ካብ ፍጡራዊ ኣእምሮ! ብፍጹም፣፣ትፈልጣዶ፧ፍትሒ ብምንታይ ትምዘን፣ብፉጡራዊ ኣእምሮዶ ወይሲ ብፈጣሪያዊ ጽፍሒ፧ ትፈልጥ ኢኻ፣እነገሊኦም ደቂ ሰባት ፍትሒ ዝበልዎ ነገራት፣ንገሊኣቶም ዓመጽ ዝኾኖም፣ገሊኣቶም ደቂ ሰባት ሓርነት ዝበልዎ፣ንገሊኦም ማሕዩር ዝኾኖም ሰሚዕካ ወይ ሪኢኻ ኣይትፈልጥን፧እሞ መኖም ደኣሉ ቅኑዕ፧ፍትሒ ክትልካዕ እንተኾይና ሓቀኛ ቤት ፍርዳ ኣብ ዕሙኺት እግዚኣብሔር ኢዩ ክከናወን ነይርዎ።ነግ ፈረግ ዘየብላ፣ቀይሕ ጸሊም ዘይትብል፣ዘመናት ዘይግድባ ኢድ እግዚኣብሔር ፍትሓዊት ኢያ፣ክትፈትሕ እንከላ፣እቶም ካብ ጎጅኡ ፍትሒ ዝተመጠዉ፣ረዲኢና ኢሎም ይዕልሉ፣ንሱ እቲ ወሃቢ ፍትሒ ድማ፣ስለዝለመንኩምኒ ኢየ፣ኢሉ ነታ ቁንጣሮ ልመና፣ካዕቦ ኣገናዕ ይህቦም።ኣብ ውሑድ ተኣሚንካ ኢኻሞ፣ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ክሸመካ ኢየ ዝብል ኣገናዕ!! ነዛ ካብ ጎጆ ፈጣሪ እትዕደል ፍትሒ ኣሚኑ ዝቕበላ፣ምስ ሕልንኡ ዝተዓረቐ ለባም ፍትሓዊ ሰብ ይመስል፣ፍትሒ ፈጣሪ ተሓሲሙ፣ናይ ገዛእ ርእሱ ጠንቂሉ ፍትሒ ከቑውም ዝህቅን ሰብ ግን፣ንኻልኦት ከምዚ ከምኡ ነናይ ገዛእ ርእሶም ፍትሒ ዝብል ሳጛ ጥራይ ይሃልዎምበር፣ቴሮሪስት ኣብ ውሽጢ ሕልና ተዘይ ኣስፋሕፈሐ ኢሉ ብገዛእ ኢዱ ንሕልንኡ ከንቁር ኢዱ ዘወጣውጥ ሰነፍ ሰብ ይመስል።ሽዑኡ ፍጡራውነቱ ዘቖሞ ቅዋም ስለዘይጸደቐ፣ንናይ ፈጣሪ ፍትሒ ምልኪ ኢሉ ንፍትሓውነቱ ምስ ሰይጣን ከመሳስሎ ይጽዕት።ኣቤት ድፍረታዊ ድንዕ ድንዕ!!


7. ሕቶ፣-ከምቲ ትፈልጦ
እቲ ምፍጣረይ...
ብምርጫኻ'ምበር
ብምርጫይ ኣይነበረን፡
ብምርጫይ ዘይምዃኑ፡ እቲ ቀዳማይ
ንምርጫይ ዘይምንባረይ፡ እቲ ካልኣይ
መናብርቲ ዘይምምራጸይ፡ እቲ ሳልሳይ ....
ብዙሓት'ዮም እቶም ሕቶታት

መልሲ፣- ከምቲ ትፈልጦ ኢልካ፣ ለካስ ፈላጥ ኩሉ ዝፈልጥ ምኻኑስ ኣይተሰወጠካን።እቲ ምፍጣረይ ብምርጫኽምበር ብምርጫይ ኣይነበረን ኢልካ ደጊምካ። እወ፣ብምርጫኻ ተዝኾውን ደኣ ከምዚ ዘለኻዮ ዓይነት ፍጥረት ክትከውን ኣይምመረጽካን።እዚ ንስኻ ኮይንካዮ ዘለኻ ምስሊ ፍጥረት ንስኻ ኮይንካ ኢኻ ረኺብካዮ።ብምርጫይ ክኸውን ነይርዎ፣ካብ በልካ፣እቶም ኣብ ርእስኻ ዝበቕሉ ጸግሪ ርእስኻ ከምዚ ዓይነት ሕብሪ ይሕሸና ኢሎም ክመርጹ ዕድል ክትህቦም ክትግደድ ኢኻ።ጸኒሖም ብዝሒ ቁጽርና ክንደይ ምኻኑ ተዘይፈሊጥካ ዋናና ኣይኮንካን ኢሎም ክጸባጸቡኻ ኢዮም።ብኻልእ ወገን መናብርቲ ዘይምምራጽካ ደኣ እንታይ ኢዩ ግር ዝበለካ፧ ምስ መን ክትነብር ክትመርጽ ስለዝሓሰብካ ኢኻ፧ምስ ሰይጣን፧ ምስ መን ደኣ ምስ ቅዱሳን መላእኽቲ፣ ሕቶኻ ከምዝተረዳእክዎ፣ምስ ፈተውቲ ክነብር ዘይከኣልኩ ኢዩ መስለኒ።ኣብዛ ዓለም ዘለዉ ስጋ ለበስ ፈተውቲ።ክነግረካ ኩላቶም ኣብዛ ዓለም ዝንቀሳቀሱ ሰብኣውያን ጸላእትና፣ ፈተውትና ክንገብሮም እንኽእል ንሕና ኢና።ከባቢና ኣባና ዘለዎ ጽልኢ ምንጩ ካባና ኢዩ ዝጅምር ካብ ፈጣሪ ኣይኮነን።ፈጣሪ ከባቢ ፈጢሩ፣በይንኻ መታን ከይትኸውን፣ሰብ ምሳኻ ገይርልካ፣ምእንቲ ሰብ ድማ ሰብ ኮይኑ፣ስለዚ ንስኻውን ሰብ መታን ክትከውን ምእንቲ ሰብ ንበር።ንስኻ ሓራ መታን ክትከውን ስለውጹዓት ብሕልና ተዓጠቕ።እዚ ክብል እንከለኹ ግን ነቶም ወጻዕቲ ዓምጾም ንዓኣቶም ሞቶም እንዳኣወጅካ ስለፈተውትኻ ጥራይ ንበር ንዘይፈተውትኻ ሰባት ግን ዝናርካ መሽት ማለተይ ኣይኮነን።ፈጣሪኦም ናይ ምንባር ዕድል እንዳሃቦምሲ ፣ንስኻ ኣብ ምንባር ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ጣልቃ ኣቲኻ ክትፈርድ ፈጣሪያዊ ስልጣን የብልካን።ከም ምርጫኻ ዘይምፍጣርካ ግር ክብለካ የብሉን፣ልዕሊ ምርጫታትካ ምርጫታት ፈጣሪኻ ከሑጉሱኻ ነይርዎም።ሕስብ እንዶ ኣብሉ፣ክንድምንታይ ትምልክዕ ገይሩ ኢዩ ሰሪሕካ፣ዋና ጥበበኛዶ ኣይኮነን!! ኣፍንጫኻ ተመልከቶ፣ብድሕሬኻ ኮይና ተትኾውን ክንድምንታይ ምኸፋእካ፣ብጥበብነቱ ፈጣሪኻ ክምስገን እምበር ክንቀፍ ኣይግባእን።
3ይ ክፋል ይቕጽል---
ወስብሀት ለእግዚኣብሔር።
እዚ ጽሑፍዚ ኣብ ገጻት ፌስቡት ተሓጢጡ ዝተሰንዘረ፣ንልቢ ገርህታት ኣብ ህልውና እግዚኣብሔር ዘላቶም እምነት ከደናግር ይኽእል ኢዩ ኢለ ስለዝገመትኩ፣ብመልክዕ ቃንቃ ናይቲ ሓታቲ ዝተመለሰ ቁንጫል መንፈሳዊ መልሲ ኢዩ ኢለ ዝቐረብክዎ ኢዩ።ሕቶ ክቕበል ፍቓደኛ ኢየ ግን ኣብ ፕሪቫት።

onsdag 18. april 2018

ኣእምሮ ዘመንጨዎም ሕቶታትን መልስታቶምን! 1ይ ክፋል

Bilderesultat for the brainበስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።
እዚ ጽሑፍዚ ኣብ ገጻት ፌስቡት ተሓጢጡ ዝተሰንዘረ፣ንልቢ ገርህታት ከደናግር ይኽእል ኢዩ ኢለ ስለዝገመትኩ፣ብመልክዕ ቃንቃ ናይቲ ሓታቲ ዝተመለሰ ቁንጫል መንፈሳዊ መልሲ ኢዩ።ሕቶ ክቕበል ፍቓደኛ ኢየ ግን ኣብ ፕሪቫት።
1ይ ክፋል፣-
1. ሕቶ፣-ስማዕ'ስከ ፈጣሪ፣-
መልሲ፣- ኣሽንካይዶ ምስ ፈጣሪስ፣ምስ ሓደ መቕርብካ ንምልዛብ እካ፣ከምዚ ዓይነት ላዛ ኣይትዛረቦን።ካብኡ ክብሪ መታን ክትቅበል ንሰብ ተኽብሮ፣ፈጣሪ ግን ኣክንዲ ዝፈጠረ ተዘንጢሉ፣ግርማውነቱ ሕልና ክልክዕ ዘይክእል፣ብፍጥረቱ ተዘንጢሉ።ኣብዚ ግን ትዕግስቱ ጎሊሑ ይረአ እነሆ።
2. ሕቶ፣-ሕቶ ከም ዘይትፈቱ'ዩ ዝንገር፣-
መልሲ፣- ሕቶ ዘይፈቱ ደኣ ዋላ ሳይነስውንኮ ሕቶ ኣይፈትዉን ኢዮም።ሳይንስ ዘይምልሶም እልፊ ኣእላፋት ሕቶታት ኣሎዉ፣ነዚኣቶም ሳይንስ ልብን ሕልናን ብጠልጠሎም ሓዲግ ሰማይ ገዲፍዎም ይነብር።ፈጣሪ ግን በንጻሩ ኢዩ፣ንኹላቶም ሕቶታትና ዓቕሙ ስለዝድርቶ ስለዝኾነ ዘይኮነስ፣ኣእምሮና ክስከሞ ብዘይምኽኣሉ ኢዩ።ጽበት ኣእምሮና ንመልሲ እግዚኣብሔር ጽፍሒ ወረቐት ኣይኮኖን ኢዩ፣፣ስለዚ ፈጣሪ ነቶም ልዕሊ ዕቕሚ ኣእምሮ ዝኾኑ ነገራትና፣ብእምነት ክንሓልፎም ንጥቕምና ዓንተዉኡ ወሰነ።ንናይ ጽባሕ ውድቀትካ ሎሚ ተትፈልጦ ገመድ መንጠልጠልካ፣ ፈጣሪ ግን ልዕሊ ዓቕሚ ንዝኾኑ ንጥቕሚ ከዊሉ፣ብእምነትን ተስፋን ከምዝሕለፍ ገይሩ እምነት ዓቢ መልሲ ብምኻኑ ኢዩ።።ሳይንስ ግን ጠልጠል ኣቢሉ ሕቶኻ ከይመለሰ እንደገናዊ ሕቶ ኮይኑ ንልቢ ይህውጻ።
3.ሕቶ፣- ግብሪ ሰዓብትኻ'ውን ነዚ'ዩ ዝምስክር፡-
መልሲ፣- ግብሪ ሰዓብቲሞ፣ግብሪ ፍጡራን ስለዝኾነ ክሓትትምበር ክምልስ ዓቕሚ የብሉን።እንተመለሰውን ፍጥረታውነቶም ስለዝግድቦ ቁንጫሎ ኢዩ።ሰሪ ግብሪ ሰዓብቲ ግን፣ፈጣሪ ኣይምልስን ኢዩ ከብሎ ኣይከኣልን።ፈጣሪ ይምልስ ጥራይ ዘይኮነስ ንባዕሉ መልሲ ኢዩ።
4. ሕቶ፣- ብጸሎት ከም ትሰምዕ
ተለሚንካ ከም ትረድእ
ይዝረብ'ሞ፡ ግር እብለኒ፣-
መልሲ፣-እወ ሓቂ ኢዩ፣እቶም ኣመንቱ ተለሚኑ ከምዝረድእ ንዛረብ ኢና ።እዚ ክበሃል እንከሎ ግን፣ካብ ሰብኣውነት ናብ ጤል ክልወጥ ደልየ ኣሎኹሞ ጸሎተይ ስምዓ ኢልካ ለሚንካዮ ጤል ዝገብር፣ካብ ሰብ ናብ ብሑቕ ክልወጥ ደልየ ኢልካ ለሚንካ ዝሰምዕ ማለትና ግን ኣይኮነን።ፐርከስ እቶም እንጽሊ ሰንኪ ፍጥረታዊ ባህርይና፣ይጠቕሙና ኢልና ዝሓሰብናዮም፣ኣብ ሎሚ ኮይንና ስለጽባሕ ናይ ምርኣይ ግንዛቤና ምስ ኣእምሮ ፈጣሪና ስለዘይመዓራረ፣ይጠቕሙና ኢልና ዝሓሰብናዮም ጎዳእትና ዝኾኑሉ ኣጋጣሚ ክኽሰቱ ስለዝኽእል፣ንሱ ፈጣሪ ንጸሎትና ኣስተኻኺሉ ይሰምዖ።ኣብ ናይ ስነፍልጠታዊ ምርምር፣እዚ ይሓይሽ ኢዩ ተባሂሉ ዝተገመተሉ፣ብካልእ ስነፍልጠታዊ መጽናዕቲ ወዲቁ ዕንወት ናይ ስነሓሳብ ዘጋጠሞም ማእለያ የብሎምን። እምበኣር፣እግዚኣብሔር ተለሚኑ ከምዝሰምዕ ምፍላጥ ጭውነት ኢዩ፣ሰንኪ ግንብንብነት እምነት ኣልባ ምኻን ግን ውሕስነት ኣብ ዘየብላ ጃልባ ተንሳፊፍካ ምንባር ኢዩ።ስለዚ ወይ ምስቶም ዝልምኑ ብእምነት ለምን፣ወይ ድማ ነቶም ዝልምኑ ኣይትዓንቅጽ።ኣብ ዓውዲ ስነፍልጠት ሪስፔክት ኢሎም ኣይመሃሩኻን ድዮም፧ወይከኣ መጺኻ ሕተቶም።ከመይ ኢሉ ኢዩ ለሚንክሞ ዝሰምዓኩም ኢልካ ንጹር መልሲ ንምርካብ ንጹር ሕቶ ሕተት።
5. ሕቶ፣- ለማኒኡ ዝፈጥር ስለ ዘይብርሃኒ!
መልሲ፣- ስለዚ ተለማኒ ኮይነ ዘይተፈጠርኩ ድዩ ሕቶኻ፧ድሓን እንካዕሞ ፍጡር ምኻንካ ፈለጥካ፣እንካዕሞ ኣነ ንገዛእ ርእሰይ ብገዛእ ኢደይ ኢየ ሰሪሐያ ኣይበልካ፧ እዚ ንህልውና ፈጣሪ እካ እንተዘይከሓድካ፣ንስኻ ግን ጎዶሎ ዓቕሚ ምኻንካ ኣዳዕዲዕካ ፈሊጥካ ኣሎኻ።ሓደ ህጻንሲ ምስ ኣቡኡ ክከራኸር ሰማዕክዎ፣
ህጻን፣- ኣቦ ኣነ ስለምንታይ ኢየ ክንዲ ናትካ ሓይሊ ዘየብለይ፣
ኣቦ፣-ድሓን ክህልወካ ኢዩ፣
ህጻን፣-ንመዓስ፣-
ኣቦ፣-ክንዳይ ምስ ኣኸልካ።
ሰብ ፍጡር ሰሪ ምኻኑ፣እቶም ዝወልዶም ውሉድውን ዋላካ ብቕዓትነት ናይ ጅማሬኦም ዘይከም ጉብዝነኦም ኣይኹንምበር፣ወትሩ ጉድለት ዝዓብለሎም ኢዩ ዝወልድ።ሰብ ሰሪ ዘይፍጽምነቱ፣ፍጹም ከምጽእ ዘይከኣለ ተባሂሉ ከመይ ኣድማ ይፍጸም፧እሞ ለማኒኡ ዝፈጥር ኣይብረሃንን ተባሂሉ ዝሕመኸ፣ኣብ ተለማንነቱ ድዩስ፣ኣብ ፍጥረትነትካ እቲ ነቔፌታ፧ ተለማኒ ክኾውን ነይርኒ ተኾይኑቲ ዘረባ፣ሓኽሊ ምሳር ንምንታይ ሓኽሊ ማዕጺድ ገይሩቲ ጸራቢ ዘይሰራሓኒ ኢላ ኣድማ ከም እትእድም ሓኽሊ ኢዩክኸውን።ስሩሕ ስቕ ኢሉ ይስራሕምበር፣ከምዚ ኮይነ ክስራሕ ይሕሸኒ ኢሉ ክመርጽ ዕድል ኣይወሃቦን ኢዩ፣ተዘይኮነ ክትጽሕፍ እንከለኻውን ነቲ ጽሕፍተት ከምዚ ገይርካ ጽሓፈኒ ክብለካ ምርጫኡ ክትሰምዕ እዝንኻ ከም ምጽላው ኢዩ።ከይለመንካዩ ዝህብ ወይውን ፈጣሪ ክኸውን ኣይነበሮን ተኾይኑ ትሕቶ ድማ፣ብርግጽ ከይለመንካዮ ይህብ ኢዩ።ገና ኣብ ምልማን ከይበጻሕና ዝሃበና ነገራትናውን ማእለያ የብሎምን።ፈጣሪ ካብቶም ለሚንናዮ ዝሃበና ነገራት፣እንከይለመንናዮ ዝመጠወልና ይበዝሑ።የዒንቲ ንክህልዋኻ ዝለመንካሉ ግዜ መቸም ኣሎ ኣይብልን ኢየ፣ኣፍንጫ፣እስትንፋ፣እግሪ ወዘተ እንከይለመንናዮ ዝመጠወልና ህያባቱ ኢዮም።እዚ ምግባሩስ ከንቅፎዶ ከመስግኖ ነይርዎ፧ፈጣሪ ክኸውን ኣይነበሮን ተኾይኑ ግን፣ምስ ሰይጣን ምትዕርራኽ ኢዩ፣ንሰይጣን ክሳብ ሕጂ ዘይተመለሰትሉ ሕቶ እዚኣ ኢያ።እንታይ ስለዝተደለየ ኢዩ እቲ ዕላማ፣ፈጣሪ ክትከውን ስለዝደለኻ፣ኣብ ዙፋን ተቐሚጥካ ኩሉ ኣብ ትሕቴኻ ክምብርከኸልካ፣ስለዝደለኻ፧ ከምዚ ዓይነት ክብሪ ክወሃበካ ትልምን ምህላውካ፣ናይ ውሽጥኻ ሕሹኽታ ይስማዕ ኣሎ።ምልማንካ ጽቡቕ ኢዩ ድሩት ዝዓቕሙ ፉጥርነትካ ስለዝመስከርካ፣እዚ ግን ድፍረት ኢዩ፣እረ ዕሽነት ዝተሓወሶ ድፍረት!!
እግዚኣብሔር ንዝሓትት ሕልና በቲ መላሲ ባህሪኡ ክምልሰሉ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን።
ወስብሀት ለእግዚኣብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።
እዚ ጽሑፍዚ ኣብ ገጻት ፌስቡት ተሓጢጡ ዝተሰንዘረ፣ንልቢ ገርህታት ከደናግር ይኽእል ኢዩ ኢለ ስለዝገመትኩ፣ብመልክዕ ቃንቃ ናይቲ ሓታቲ ዝተመለሰ ቁንጫል መንፈሳዊ መልሲ ኢዩ ኢለ ዝቐረብክዎ ኢዩ።ሕቶ ክቕበል ፍቓደኛ ኢየ ግን ኣብ ፕሪቫት።
2ይ ክፋል ይቕጽል።

ኣነ ግዳ ውሉድካ ንክናኣናዊት'ኳ ዝመሓርካ...

 በስመ ሥላሴ ኣብራም'ዩ ግብረይ ኣብ ካራን ምንባረይ ሃብታም'ዩ ሰፈረይ ብዘመናዊ ስራይ ኣብኡ'የ ዝወድቕ ይሃጥር ብስጋይ ሓሽከት ሓጣውእ ይበራረዩለይ ገንዘብ ሶዶም ክኸስብ ገንዘብካ ይስእኖ እናሻዕ ይንኖ...