onsdag 1. august 2018

ለውጢ ሕብረተ-ሰብና ብመንፈሳውያን መርዓታትና

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላኽ፡

ብዛዕባ መርዓ ዝምልከት ሰፊሕ ኣርእስቲ ወሲድካ ምይይጥን ትምህርትን ዘድልዮ ጉዳይ እካ እንተኾነ፡ንሱ ንግዚኡ ገዲፈ ግን ኣብ መንፈሳውያን መርዓታትና ንዘለኒ ግንዛቤ ክገልጽ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን መንእሰያት ናይ ቤተክርስትያን ብፍላይ ከኣ እዞም ኣብ ወጻኢ እንርከብ፡እቲ % ደኣ ይውሕድ ይኸውን እምበር፡ልዕሊቲ ባዕሎም ንሓድሕዶም ተራኺቦም፡ንዒ ንመርዖ፡ንዓ ንመርዖ ተባሃሂሎም ዝቀራረብዎ፡ኣብ ቤተክርስትያን መጺኦም'ውን ሕጊ እግዚኣብሔር ንምፍጻም ድሉዋት ኮይኖም ምሉእ መርዓ ዘሕልፉ ውሑዳት ኣይኮኑን።በዚ መንጽርዚ ድማ፡ኣብ መንጎ'ቶም መንፈሳውያን ተመርዓውትን ቤተሰቦምን ሰፊሕ ቁሩቅስ ይካየድ ኢዩ።እዚ ማለት፡እቶም ሓደ ወገን፡ነቲ መርዓ ብጛይላ ተዘይገይርናዮ፡ባንዲ ተዘይኣምጻና፡ተዘይሳዕሳዕና፡ኢሎም ኣሻፈረይ ክብሉ እንከለዉ፡እቶም ደቂ ቤተልርስትያን ድማ፡ስለዝተማሃርዎ፡ድሌታቶም ምሉኡነት ስለዝደልዩ፡ኣይንደልን፡መዝሙር ኢና ንገበር ክብሉ ከቢድ ክርክር ኢዩ ዝካየድ።

ከም ሓቂ፡ዋላ ብቆጦባዊ መለክዒ እንተርኢናዮ፡ብመዝሙር ዝሓልፍ መርዓን፡ብጛይላ ዝፍጸምን ብዙሕ ፍልልያት ኣሎዎ።እቶም ሰብ ውራይ'ውን እንተኾነ፡በቲ ሕብረተሰብ ከይንጸሉ፡ከይክዕቡኒ ንናይ ድጄይ ዝኸውን ገንዘብ ከየውጽእ ስለዝበቐቐ ኢዩኮ፡ተባሂሎም ከይሕመዩ ስለዝሰግኡ ደኣ እምበር፡ንቆጦባ ዝምልከት ኣየናይ ከምዝሓይሽ ኣዳዕዲዖም ይፈልጡ ኢዮም።ብኻልእ መዳይ'ውን፡መዛምራን ውሑዳት ኢዮም፡መርዓይ ዘውዓውዕ ነገር ስለዘየብሉ፡ተዓዳሚ ክታኸስ ኢዩ፡ዝብል ስግኣት ስለዝህልዎም ድማ በቲ ሓደ ሸነኽ፡ዘይትጽበዮም ዝነበርካ መንፈሳውያን የሕዋት፡መርዓኦም ብጛይላ ክገብሩ ትርኢ ኢኻ።ዝገርመኒ እታ ደርፊኮ ብድጄይ ኢያ ትካይድ።ድጄይ ከኣ መብዛሕትኡ ካብ ዩትዩብ ወይ ሪከርድ ዝተገብረ ኢዩ ነቲ ህዝቢ ዘሳዕስዖ።እሞ ኣንታ ሓወይ፡ደርፊ ሓጢኣት ምኻኑ ትፈልጥ ኢኻ፡ተዓዳሚ ከይታኽ ክትብል ካብ ድጄይ ተምጽእ ግን፡መዝሙር ኣብ ዩትዩብ የለን ድዩ፧ እሞ ፍጡራት ተዓደምቲ ከይታኸሱ ክትብልዶሞ፡ምስ ፈጣሪኻ ምቅይያም ይሓይሽ ኢልካዮ፧እታ ሓጢእት እተፍሪ ድጂይ ብጽድቂ እተፍሪ ድጂይ ተቐየርካያኸ እንታይ ትኸውን፧ ዶስ ዩትዩብ ናይ ጛይላ ጥራይ ኢዩ ኢልካ ስለዝደምደምካዮ ኢዩ፧እዚእታት ንብዙሓት መንፈሳውያን ተመርዓውቲ ስለዝግኦም፡ድጄይ ይመርጹ።ብዝኾነ ቁርጽ ኣቢሎም ንመንፈሳዊ መርዓ ዝውስኑ ኣሎዉ።እዞም መንፈሳውያን ወሰንቲ እዚኣቶም ንቤተ ክርስትያንን ንሕብረተሰብናን ዓበይቲ ሰባኽያን ኢዮም። እዚኣቶም፡"ቆሪብካ፡ወዲ ቤተክርስትያን ኮይንካ፡ናይ ዓለም ነገር ፈንፊንካ ከተብቅዕ፡ተሓጺብካ ናብ ጭቃ፡እሞ ድማ ናብ ጛይላን ዳንኬራን ኣምላኾም ከምዘግህዩ ስለዝፈልጡ ኢዮም ኣብ መርዐኦም መዝሙር ዝመርጹ።

መቸስ ብሰንኪ ጛይላ ካብ እግዚኣብሔር ዝመጽእ ቅሬታ ንምፍላጥ ካብ ሕጂ እዝን እትን ምባል፡ሊቃውንቲ ባዕሎም ክነግሩና ይሓይሽ።ብሕጽር ዝበለ ግን፡ጛይላን ደርፍን፡ሓጢኣት ምኻኑ፡እግዚኣብሔር ከምዘይሕጎሶሉ፡ኩላቶም ቅዱሳን መጽሓፍትን፡ቅዱሳን ኣበውን ይምህሩና ኢዮም።ምላልባሽ ስለዝሳዕሳዕካ ንስኻ ትሕጎስ ትኾውን፡እግዚኣብሔር ግን ኣይሕጎስን ኢዩ።እሞ ብዛዕባ ንፈጣሪ ዘሕጉሶን ዘግህዮን ነገር ግዳሽ ዘየብልካ፡በንጻሩ ግን ዘሕጉሰካ ነገር ጥራይ ዘገድሰካ እንተኾይኑ ደኣ፡ ካብቶም ዘይኣምኑን ክሓድያንን  ብምንታይ ኢኻ ትፍለ።ንሳቶም ዘይኣምኑን፡ከም ድላዮም ዝኸዱንኮ ኣምላኽ የለን ስለዝብሉ ኢዮም።ንስኻ ግን ህልውና ፈጣሪ እንዳኣመንካስ፡ንሱ ዝጸልኦ ነገር ንምግባር  መን የተባብዓካ ስለዘሎ'ዩ፧ ስለዚ ብሓቀኝነት ከሕጉሰካ ዝግብኦ፡እቲ ፈጣሪኻ ዝሕጎሰሉ ነገር ኢዩ ክኸውን ዘለዎ።ፍጹም ክትጉህየሉ ዝግባእ ድማ፡እቲ ፈጣሪኻ ዝጸልኦ ነገር እንተፈጺምካ ኢዩ።እዚ ኸኣ እምነትካ ስለዝግድደካ ኢዩ።

ካብ ትዕዝብተይ፡እዞም መርዓና ብመዝሙር እንገብሮ ዘለና ሰባት፡ብተዘዋዋሪ ይኹን ብቐጥታ፡ኣብ ቤተክርስትያንን ኣብቲ ሕብረተሰብናን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ትገብሩ ምህላውኩም ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።እዚ ድማ፡ህዝቢ ናይ ደርፊ ወልፊ ኣብ ውሽጡ እንዳሃወጾ ክንሱ፡"ቶባእ!" ኢልካ ከልኪልካዮም ክትውዕል እንከለኻ፡በንጻሩ ድማ ምሳኻ ልሳኖም ንመዝሙር ኣእዳዎም ንሸብሸቦ ክለማመድ እንክትዕድሞ፡ናይ ደርፍን ጛይላን መንፈስ ካብ ክልል ሕብረተሰብ ነፊጹ ንኽከይድ ጸቕጢ እንዳገበርካ ኢኻ።ስለዚ ኣይርደኣናን ይኸውን ደኣ'እምበር፡ነፍሲ-ወከፍ መርዓ ብመዝሙር ክትሓልፍ እንከላ፡ልቢ ናይ ነፍሲወከፍ ተዓዳሚ፡ብፍላይ ከኣ ብዓለማዊ መንገዲ ተዋሒጡ ንዝነብር ሰብ፡ኣብ ህርመት ልቡ፡ሓድሽ ጦብላሕታ ናይ መንፈሳዊ ጥቕሚ ንኽስቆሮ እትዕድም ቅኒት ኢያ።እዚ ድማ ዋላ ኣብ ቆጦባዊ መዳይ ከይተረፈ መዝሙር ዓቢ እጃም ምህላዉ ርድኢቱ ከስፍሕ ይሕግዞ ኢዩ።ድሓር ከኣ ወሎዶ ክልወጥ እንተኾይኑኮ ፡ቀስ ብቐስ ኢዩ'ምበር ብሓንቲ ግዜ ኣይኮነን፡፡ መንፈሳውያን መርዓታትና'ምበኣር፡ ይውሓድ ይብዛሕ ብዘየገድስ፡ኣብ መንፈሳዊ ለውጢ ናይ ሕብረተ ሰብና እጃመን የበርክታ ምህላወን ኢዩ።

በዚ ኣጋጣሚ እቶም መርዓኹም ብመዝሙር እትገብርዎ ዘለኹም፡ብስም ቤተልርስትያን ከየመስገንክኹም ክሓልፍ ኣይደልን።ብርግጽ ካብ ቤተሰብኩምን መቕረብኩምን ብዙሕ ጸቕጥን ግጭትን ከምዘጋጥመኩም ርዱእ ነገር ኢዩ።ግን ቀዳምነት ናይ መን ድምጺ ምስማዕ ይሓይሽ፡ናይ እግዚኣብሔርዶ፡ወይሲ ናይ ቤተሰብ፡ድምጺ ናይቲ ካብ መለኮታዎ ክሂለቱ ዝፈጠረናዶ፡ወይሲ ናይታ ወሊዳ ኣጥብያ ዘዕበየትና ኣደ፧ ናይ መኖም ክብሪኸ ይበልጽ፡ናይ ወለድናዶ፡ወይሲ ናይ ፈጣሪና፧ እዚ ሕልና ናይ ኩሉ ሰብ ዝምልሶ ሓቂ ኢዩ።መጽሓፍ ቅዱስ ድማ፡"እቲ ንቤተሰቡ፡ንስድርኡ፡ንወለዱ፡ንሰበይቱ፡ንደቁ፡ንሃገሩ ወዘተ ካባይ ኣብሊጹ ዝርኢ ንዓይ ኣይበቅዕን ኢዩ።" ኢዩ ዝበለና።ንነገራት ከነፍቅሮምን ክንእዘዞምን እካ ሰናይ እንተኾነ፡ኩላቶም ግን ትሕቲ እግዚኣብሔር ኢዮም።ስለዚ ንኹላቶም መቕረብና ነፍቅሮም ግን ልዕሊ እግዚኣብሔር ክኸውን ኣይግበኦን።ትእዛዝ ወለድና ንቀበል ግን ልዕሊ ትእዛ ፈጣሪና ገይርና ኣይኮንና ክንቅበሎ።ወለድናስ እግዚኣብሔር ብሓደራ ንኸዕብዩና ዝኣዘዞም ደኣምበር፡ንፈጣሪ ዝእዙዙ ኣይኮኑን።
እግዚኣብሔር ዘመንና ወሎዶናን ዝልውጥ ሓይለ መንፈሱ ይልኣኸልና።
ወስብሐት ለእግዚኣብሔር።

fredag 6. juli 2018

መላእኽቲ፣- 1ይ ክፋል

Relatert bilde
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።
ትርጉማዊ ስሞም፣-

ሀ) ምስ ተፈጦኣውነቶም ዝተተሓሓዘ ብምኻኑ፣-

መልኣኽ ቃል ንንጽል ዝውክል ኢዩ፣መልኣኽቲ ድማ ድርብ።ግእዛዊ ስሞም መልአክ፣መላእክት ይብሎም።መልኣኽቲ ዝበሃሉ፣ብስጋዊ ዓይኒ ዘይረኣዩ፣ብስጋዊ ጭባጤ ዘይድህሰሱ፣ብዝሖም ሓንሳብ ምስ ተፈጥሩ ንዘልኣለም ዘይጭመሮ፣ብዝሒ ቁጽሮም ክንድዚ ኢዩ ኢልካ ብኣእምሮ ደቂ ሰባት ዘይእመሩ፣ሰብነቶም እቲ ሓደ መልኣኽ ብማእከልቲ እቲ ካልእ ከም <ብርሃን ብቬትሮ>  ሰንጢቖም ንኽሓልፉ ዘይጽግሞም ረቀቕቲ ፍጥረት ኣምላኽ ኢዮም።እዞም ተፈጥሮ እዚኣቶም መልኣኽቲ ይበሃሉ።

ተወክሶተ መጽሓፍ ቅዱስ፣-

ዘህ 22፣21-23 በልዓም ዝተባህለ ናይ ኣህዛብ ነብይ፣ ንግልጸተ መልኣኽ ክርኢ ዘይምኽኣሉ በንጻሩ ግን እቲ መልኣኽ ነታ ኣድጊ ክግለጸላ ፍቓደኛ ምንባሩ ይነግር።እዚ ርቀተ መልኣኽቲ ንተነጽሮ ሕልና፣ ፍቓደኝነቶም ከምዝሓትት ዘብርህ ኢዩ።<<መዝ 68፣17 ሰረገላታት ኣምላኽ ኣሽሓት ግዜ ኣሽሓት ኢዮም፣>> ይብል።ብዝሒ ቁጽሮም ብኣእምሮ ደቂ ሰባት ክፍቀዱ ዘይክእሉ ምኻኖም ንኸነጽር ኢሉ ኢዩ።ብኻልእ መዳይውን ሰረገላ ንኪናት፣ንግጥም፣ንተራድኦ እትውጥሓ ከም ምኻኑ መጠን፣እግዚኣብሔር ንረዲኤት ቅልጡፍ ኢዩ፣ብመን ብሰረገላታቱ፣ምስ እግዚኣብሔር ገጢሙ ዝስዕሮ የለን፣ብመን ገይሩ ደኣ ይስዕር ብሰረገላታቱ ገይሩ የሸንፍ፣ ክቡራዊ ስሙ ካብ ሕልና ዝሃስስ ኣይኮነን፣ብኸመይ ድኣ ይግለጽ እንተኢልና ድማ ኣብዞም ክቡራት ሰረገላኡ ዝኾኑ መላኽቲ ኮይኑ ይግለጽ።

<< ቀሌ6፣27.ብዙሓት ዝተፈላለዩ ነገራት ፈጠርና ትሽዓተ ነገደ መላእክት ፈጠርና ናታቶም መልክዕ ይፈላለ በብነገዶም ኩላቶም መልክዖም ይፈላለ ኢዩ።ካብ መንጎ መላእክት ብዙሓት የዒንቲ ዘለዎ ኣሎ።ቅድሚኡ ገጹ ብዙሕ ዝኾነ ኣሎ ኩልንትኡ ዝነድድ እሳት ኮይኑ ዝተፈጥረ ከኣ ኣሎ።28.መንፈስ ጥራይ ኮይኑውን ኣብ መንጎኦም ኣሎ።መንፈስን እሳትን ብምኻን ዝተፈጠሩ ኣሎዉ ነገር ግን ኩላቶም ይዝምሩ ኢዮም ብዘይዕረፍትን ብዘይምቁራጽን የመስግኑ ኢዮም ካብ ናይ ሓደ መልኣኽ መዕረጊ ናብ ካልእ ናይ መልኣኽ ሕላዌ ክትምልከቶ እንከለኻ ክንዲ ርሕቀት ናይ ሰማይን ናይ ምድርን ይኸውን።29.ናይዞም መላእኽቲ ቁጽሪ እልፊ ኣእላፋት ካብዚውን ናይ ዕጽፊ ዕጽፊ ኢዩ እዚኣቶም ንዓና እንዳመስገኑ ይነብሩ ዕረፍቲ የብሎምን።ሱራፌልን ኪሩቤልን በብፍነኦም የመስግኑና ዕረፍቲውን የብሎምን>> ይብል ቀሌሜንጦስ። 

ስለዚ ተፈጥሮኦም መላእኽቲ ንኽበሃሉ ይእምት።ነዚ ተፎጥሮዚ ክውንን ዝኽእል ባህርይ፣ማለት ረቀቕቲ፣ድኻም፣ድቃስ፣ምስቻው ዘይሰማምዖም፣ፈጣናት፣ኣሽሓት ግዜ ኣሽሓት፣ፈጣሪኦም ተዘይኮይኑ መን እንታይ ይመስል ማንም ክግምቶም ዘይክእል፣ብዝተፈላለየ መልክዕ ንደቂ ሰባት ንኽግለጹ ፍቓደኝነት ካብ ፈጣሪኦምን ካብኦምን ኮይኑ ክግለጹ ተዘይኮይኑ ድማ እዚ ይመስሉ ኢልካ ብቃንቃ ኣእምሮን ደቂ ሰባት ዘይንገሩ ኢዮም። መልኣኽቲ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰባት ብዝተፈላለየ መልክዕ፣ከም ሽማግለ፣መንእሰይ፣ሓለቓ ሰራዊት፣ ወይ ህጻን ኮይኖም ዝተገልጽሉ ዘመን ከምዘሎ ቅዱሳን መጽሓፍቲ ይትርኹ ኢዮም።እቶም ንደቂ ሰባት ዝተገልጹ መላኽቲ ግን፣ምስቲ ብዝሒ ቁጽሮም ኣነጻጺርካ ክረአ እንከሎ፣ንዓና ዝተገልጹልና ድሮ ኣስማቶም እንፈልጦም ኣዝዮም ውሑዳት ኢዮም።ብድምሩ ግን 100 ነገድ ኮይኖም ከምዝተፈጥሩ፣ዳሕራዩ ግን ሓደ ነገድ ብምኽንያት ምንፍቕና ካብ መንጎኦም ከምዝተፈለየ ታሪኽ ተፈጥሮኦም ይነግር።

 ለ) ስሞም ምስ ግብሮም ወይ ሞየኦም ዝተተሓሓዘ ብምኻኑ፣-
ወስብሀት ለእግዚኣብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።
2ይ ክፋል ይቕጽል፠፠፠

torsdag 28. juni 2018

ሰላም፣ ንምዕቃባ ይኸብድ!

Bilderesultat for the war of peace
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ኣሜን!

ኣምላኽና እግዚኣብሔር ኢዩ፣ሰላምና ፈጣሪ ኢዩ፣መንገድና መንገዲ ፈጣሪ ኢዩ፣ጉዕዞና ካብ ምድሪ ናብ ሰማያት ደኣምበር፣ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ ኣይኮነን፣ነዊሕ ጉዕዞ ይጽበየናምበር፣ ገና ጉዕዞና ኣይወዳእናን።ብርግጽ እንናፍቖ ዝነበርና ሰላም ኣሎ፣እንጽበዮ ዝነበርና ጡዑም ኣየር ኣሎ፣ብጸሎት ዝነባዕናሉ ራህዋ ኣሎ፣እናሻዕ ዝተማጎትናላ፣ክንውንናሞ ኣብ ጎጆኣ ክንውጣሕ፣ብእንግዶኣ ክንሳሲይ፣ተበታቲኑ ዝነበረ ቤተሰብ ክተሓቓቖፍ፣ተረሓሒቆም ዝነበሩ ማሕበራት፣ትካላት፣ሃይማኖታት፣ፖሎቲከኛታት፣ምሁራን፣ ሓረስቶት፣ጛሶት፣ተረኽቲ ክተሓቓቖፉሞ፣ዝነበሮም ዓጸቦ ናይ ሰላም ብምትሕቑቓፍ ክዕንገሉ፣ዝነበሮም ጽምኢ ራህዋ ብውህደት ክረውይሉ፣እንተስ ብሕብረትን ብማሕበራትን ወይ ብጉጅለታትን፣ወይ እንተስ ምስ ውሽጢ ገዛእ ርእሲ ወይ ምስ ግሊ፣ከቢድ ምጉት ዘካየድናሉ ስለዝኾነ፣ከም ውጺኢቱ እነሆ ኣብ ቅድሜና ተኾይጡ።እታ ክንዮ ማዕዶ እንጽበያ ዝነበርና ሰላም ቅርቢ ኮይናትልና እነሃ፣ክንድዚ ዝኣክል ርሒቓ ዝነበረት ብውልቂ ይኹን ብሕብረት ዝተመነናያ ሰላም እነሃ ቀሪባ።ክንዮዚውን ኣሎ።ሰማያዊ ሰላም፣ኣምላኻዊ ሰላም፣ሕምስምስ ኣልቦ ወትሩ ብደስታ ዝተኸለለ ዓለምውን ኣሎ።ፈጣሪ እንታይ ይሰኣኖ፣ክንዮ ኣእምሮና ዝምጦ ሰላም ክህብ፣ክንዮ ሕልና ዝኾነት መንግስቲ ከውርስ እንታይ ይሰኣኖ!

እሞ እንታይ ንግበር፣-ዮና1፣11

ዓወታት ንምምስራቶም ዘይኮነስ ንምዕቃቦም ይኸብዱ።ከምቲ ህውከታት ንምጉንጻፍ ተበጃውነት ዝሓቱ፣ሰላም ንምዕቃባውን ተበጀውቲ ትደሊ ኢያ።ደጊም ቶባእ ስንፍና ኢሎም ርእሶም ዝገትኡ፣ነፍሶም ዝፈርዱ፣ንዓይ ናብቲ ባሕሪ ደርብዩኒሞ ሰላም ክሰፍን ኢዩ ዝብሉ፣በዳሊ ንስኻትኩም ዘይኮንኩስ ኣነ ኢየ ኢሎም ብትብዓት ገዛእ ርእሶም ዘድንኑ ተበጀውቲ ትደሊ ኢያ ሰላም።ኣብዛ ዓለም ብጅግንነቶም ዝፍለጡ ብዙሓት ክጥቀሱ ይከኣሉ ኢዮም።በንጻሩውን ብጭካነኦም ዝውቀሱ ኣዝዮም ውሩያት ውን ዓለምና ትውንን ኢያ።ክሳብ ሕጂ ተወዳደርቲ ዘይረኽቡ ግን እቶም ገዛእ ርእሶም ዝወቕሱ ኢዮም።እቶም ገዛእ ርእሶም ዝፈርዱ፣በቲ ምቕሉል ተበጃውነቶም ነታ ተራር ልቢ ናይ ወድሰብ ብጣዕሳ ከምትምርከኽ ክገብሩ ዝኽእሉ፣ውሽጣዊ ናይ ሰላም ድርዒ ዝዓጠቑ፣ክሳብ ሕጂ ተወዳደርቲ ዘይረኸቡ ኢዮም።ኣብ ዓለምና፣ናይ ኩዕሶ፣ናይ ጉያ፣ናይ ሞያ ወዘተ ዓመት መጸ ዋንጫ መን ወሰደ ውድድር ይካየድ ኢዩ።ናይ ገዛእ ርእስኻ ምውቃስ ዝምልከት ውድድር ግን ዓለምና ከተሳትፍ ኣይከኣላን ኢዩ።ምኽንያቱ እዞም ገዛእ ርእሶም ዝወቕሱ ሰባት፣ዋላ ነቶም ኣዋዳደርቲ ከይተረፈ ስለዝስዕርዎም፣ክወዳደሮም ዝኽእል ጥራይ ዘይኮነስ፣እንኮላይ ከወዳድሮም ዝከኣሎ ዓለም ኣብዛ ባይታዚኣ ዘይምዃኑ'ዩ።ናይዚ ጽሑፈይ ኣፈ ሙዙ፣ነዚ ኣብ ወጻኢ ኮይኑ፣''እገለ ከምዚ ኢዩ፣እገሊት ከምዚ ኢያ፣''እናተባሃሃለ ንሓድሕዱ ክወቓቐስ ዝሓገየ ኤርትራዊ ብሓፈሻ ድማ ሕብረተ ሰብ ዓለም፣ርእሱ ከድንን፣'ኣነ ኢየ በዳሊ፣ይቕረ ግበረለይ'፣ተባሃሂሎም ገዛእ ርእሶም ስለሰላም ክብጀውን ንምባል ኢዩ ተጻሒፉ።ሰላም ተበጀውቲ እምበር፣ኣበጀውቲ ኣይትደልን ኢያ፣ሰላም ደነንቲ ደኣ እምበር ኣንቃዕረርቲ ኣይብርህዋን ኢዮም፣ሰላም ልሳኖም ዝኸንሸቡ እዱባት እምበር፣ሴፍን ጉራዴን ሒዞም ብጭካነ ንሓድሕዶም ዝከናሸቡ ኣይሰማምዕዋን ኢዮም።

ኣብ ሓንቲ ንባሕሪ ተርሴስ ክትስንጥቕ እትህንጠ ዝነበረት መርከብ ዝተሳፈሩ ተጎዓዝቲ፣ሰንኪ ናይ ሓደ ነብይ ዘይምእዛዝን፣ሰንኪ ናይቶም ዋናታት እታ መርከብ ኣምልኾ ጣዖትን፣ፈጣሪኦም ቁንጣሩ ተግሳጽ ፈነዎሎም።በዚ ድማ ባሕሪ ኣፍ ኣውጺኡ ''ሃየ ተናዘዙ፣መን ኢዩ በዳሊ፣መን ዓማጺ፣መን ኢዩኸ ስለሰላም ክብል ርእሱ ዘበጁ'' ዝብል እንክመስል፣ብማዕበላቱ ገይሩ ክጥሕሮም ደለየ።ነዛ ግሳጼ እዚኣ ቀልጢፉ ዘላለያን፣መፍትሒ ዝረኸበላን እቲ ኣይእዘዝን ዝበለ ነብይ ነበረ፣ነብይ ዮናስ።ዓንተቦኡ ''ኣይእዘዝን ኣይለኣኽን'' ኢሉ ዝነበረ፣ሕጂ ግና ባዕሉ ክብጆ መረጸ።ሰላም ንምውሓስ ምብጃው ይሓትት ምኻኑ ኣዳዕዲዑ ይፈልጥ ኢዩ።ነብይ ዮናስ ጽላሎት ክኾውን በቐዐ፡ ክርስቶስ ድማ ፈጻሚኡ።ነብይ ዮናስ ዘውሓሳ ሰላም ቁንጣሮ፣ንባሕሪ ተርሴስ ንምስጋር ጥራይ ነበረት፣ክርስቶስ ግን ረቂቕ ድልድል ሰሪቱ፣ሰማያዊ ዜግነት ሂቡ፣ናብ ሰማያት ዘአቱ ፓስፖርት መጢዩልና ከደ።እዛ ሰማያዊት ቪዛ እዚኣ እንክትበላሾ ዝዕረየሉ ባይታ ኣጣጢሕልና ስለዝኾነ ሰማያዊት ሰላም ኣብ ኢድና ኢያ።እምበርከ ክርስቶስ ሰላም ንምውሓስ ገዛእ ርእሱ ክውፊ ስለዝመረጸ ኢዩ።

እምበኣር፣ብነኣሽቱ ነገራት ዝተቃሓሓራ፣ማሕበራት፣ኣብያተ ክርስትያናት፣ፖሎቲከኛታት፣ሕብረተ ሰባት ወዘተ ወዘተ፣ ሰላም ተበጀውቲ ስለዘድለይዋ፡ ድምጻ ዓው ኣቢላ ትእውጅ ኣላ።''በደልካ ተናሳሓሉ'' ዝብሉ ዘይኮነስ፣''በደለኛ ኣነ ኢየ'' ኢሎም ገዛእ ርእሶም ዝወቕሱ ኣውሓስቲ ሰላም ትደሊ ኣላ ሰላም።ፍልልያት ክህልዉ ግድነት ኢዩ፣ንኽልቲኣትኩም ተታረኽቲ ኣብዛ ዓለም ናይ ንስሓ ዕድመ ዝውስኸልኩም ዘሎ ፈጣሪኹም ኢዩ።ስለዚ ንስኻትኩም ደኣልኩም ዘይተፋቐርኩም እምበር፣ፈጣሪኹምሲ ንኽልቲኣትኩም የፍቅረኩም ኢዩ። ነዛ ሕንጫልን ሕንጢትን ዝኾነት ሰላም ደልዲላ መታን ክትረግጽ፣ተሰማሚዖም ዘዕብይዋ፣ዘጎብዝዋ ስሙራት ስድራ ትደሊ ኣላ።ደጊም ልሳንና ናይ ይቕሬታኣ ትርሺ እትትኩሰሉ እምበር፣ናይ ጽልኢ ቃላታ እትውርውሮሉ እዋን ኣይኮነን።ናይ ቶኽሲ ቃላት ኣብቂዖም ዓውደ ክርክር ብዓውደ ልዝብ፣ምዝንጣል ብምክብባር፣ምትሕምማይ ብምትእርራም፣ምትኹታኽ ብምትሕቑቓፍ፣ቂምታ ብይቕሬታ ዝትክእሉ እዋን ድሮ ኣኺሉ'ዩ። ተፈጥሮና እነመስግነሉ ግዜ ካብ ሕጂ ንንላዕሊ ዕድል የለን።

ሰላመይ እህበኩም ኣሎኹ፣ዮሓ 14፣27

ንምኻኑ ንሕና እዞም ንሰላም እንሽትታ ዘለና ሕብረተሰብ፣ ህዝበ ክርስትያን ድማ ብፍላይ፣ምንጫ ካብ ላዕሊ ምዃኑስ ከመይ ዘንጊዕናዮ፧ ኣብዛ ዓለም እንምጠዎ ሰላም፣ካብ ሰማያት ተጨሊፉ ዝመጸ ቁንጣሮ ምዃኑስ ከመይ ተሰዊሩና፣ነቲ ካብ እግዚኣብሔር ዝፍኖ ዘሎ ሰላም ዘይኮነስ፣ንባዕሉ ንእግዚኣብሔር ክንሃርፎዶ ኣይኮነን ዝቕድም ነይሩ፧ክርስትያን ማለት ምድራውያን ሰማያውያን ኢዮም።ኣብ ምድሪ እንከለዉ ሕልነኦም ኣብ ሰማያት ዘሎ ነገራት እናሰላስሉ ዝነብሩ፣ንናይ ምድሪ ሰላም ምስቲ ሰማያዊ ሰላም ከየዳረጉ፣''ነታ ኣብ ሑቕፎኻ ዘላ ሰላም፣ነታ ንዓና ኢልካ ዘዳለኻያ መንግስቲ ንምውራስ ከመይ ክንውንና ንኽእል፧ከመይ ዓይነት ሰባት ኢዮም ዝኣትውዋ፧ኣብ ቤት መቕደስካ ዝነብር መን ኢዩ፧ኣብ መሕደሪኻ ዝሓድሩኸ እነመን ኢዮም፧'' ኢሎም ስለ'ዛ ዘላ ቁንጣሮ ሰላም ዘይኮኑስ፣ሰለ'ታ እትመጽእ ሰማያዊት ሰላም እንዳለመኑ ዝነብሩ፣በዚ ኣብዚ ዓለም ዘሎ ጸበባ ዘይሽገሩ እኳ ደኣ ብሓጎስ ዝቕበልዎ፣በዚ ናይዛ ዓለም ሰላም ድማ ከይተዓሻሸዉ፣ስለቲ ቀንዱ ክዓዩ ዝነብሩ ኢዮም ክርስትያን።ከመይ ኴንና ደኣ ተጸበይቲ ሰማያዊት ዓለም ክንስና፣ምድራዊት ዓለም ክሳብ ክንድዚ ከምእንቀሓሓር ገይራትና፧ ከመይከ ኣብ ምድሪ ዝቕመጡ ሰማያውያን ክንስና፣ምድራዊ ነገራት ክሳብ ክንድዚ ከምእንጨኻኸን ገይሩና፧ዓለምኮ ከምታ ጥራሕና ዝመጻናያ፣ክንከይድ እንከለናውን ንብረታ ክንወስደላ ኣይትደልን ኢያ።ዝና፣ሃብቲ፣ፍልጠት፣ክብሪ ቁንጅና ኩሉ ኣብዛ ዓለም ኴንና ዘጥረናዮ ስለዝኾነ፣ክትምንጥለና ስምና ከይተረፈ ተቐይሩ ሬሳ ዝብል ሳጓ ኣጠሚቓ ክትውሕጠና ምኻናስ ከመይ ዘንጊዕናዮ፧ በሉ ንሱ ፈጣሪ ሰላሙ ንምምጣው ኣእዳዉ ዝርጉሓት ኢየን።ነዛ ሰላም'ዚኣ ጅማሬ እፎይታኣ ካብ ውሽጥና ኢዩ ዝጅምር።ሰላማዊ ሰብ ንምኻን፣መጀመርያ ምስ ገዛእ ርእስኻ ተዓረቕ።ሽዑኡ እቲ ንናይ ገዛእ ርእስኻ ሰላም ንምውሓስ ክትብል ዝኸፈልካዮ ዋጋ፣ንቤትካ፣ማሕበርካ፣ሃገርካ፣ሕብረተሰብካ ምሉእ ሰላም ንኽሰፍን ዝከኣሎ ዋጋ ካብ ምኽፋል ኣይክትደሓርሕርን ኢኻ።ትጸልኦም ሰባት ተሃልዮምኻ ንሳቶም መጺኦም ይቕሬታ ክሓቱኻ ኣይትጸበ።ዝተቐያየምካዮም እንተልዮምውን ምእንቲ ሰላም ክትብል ተበጃዊ ኩን'ምበር፣ተበጃዊ ኣይትድለ።

እግዚአብሔር ኣምላኽና፣ኣብ ውሽጥና፣ኣብ ከባቢና፣ሃገርና፣ህዝብና ኩሉ ዓለምና ሰላሙ ከስፍነልና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን።
ወስብሐት ለእግዚኣብሔር!

onsdag 20. juni 2018

ስለሰማእታት ኤርትራን ስእላዊ ገለጻ ናይ ሎሚ ደቆምን!

በስመ ሥላሴ



Bilderesultat for conversation between peoples
ዝኸበርካ ኣንባቢ፣እዚ ጽሑፍ፣ ንነፍሲ-ወከፍ ልቢ ኤርትራዊ፣ ስምምዓዊ ፍቕሪ ዝጽውዕ መቓልሕ እምበር፣ ዝኾነ ይኹን ፖሎቲካዊ ወይ ወገናዊ ጽግዕተኝነት ተገይሩ ዝተጻሕፋ ከምዘይኮነ ኣቐዲመ ክነግር ይፈቱ።
ሰናይ ንባብ...

ጽሓይ ካልኦት ንኸብርቑ፣ጽሓዮም ብፍታዎም ኣዕሪቦም፣ከባቢኦም ብነበልባል እሳት ተኸቢቡ፣ሰማይ ናፓልን ብኢደ ሰብ ዝተሰርሐ እሳተ ጎሞራን ዘኒቡ፣ሓዳርን ናብራን ይጽናሓላና ብምባል፣ ኣብ ትማሊ ኮይኖም፣ ንሎሚ ኣወንዚፎም  ስለሎሚ ሓሊፎም።ኤርትራ እትበሃል ምድሪ ካብ ታሪኽ ዓለም ክትሕክኽ ብወግዒ ተኣውጁ ንዝነበረ ኢፍትሓዊ ኣዋጅ፣ብተበጃውነቶም ህልውነኣ ቀጻልነት ከምዝህልዎ ገይሮም።በብዘመናት ዝተበገሱ ሓይለ ዓለማት ናይዛ ምድሪ፣ነቲ ብሃይማኖቱን፣ቅዱው ስነ ምግባሩን ዝፍለጥ ዝነበረ ብኹሉንትኑሁ ሕፉር ህዝቢ ኤርትራ፣ኣፉ ተለዂኹ፣ኣስቃጢ ኮይኑ ንክተርፍ፣ባህሉን ሃይማኖቱን ተበሪዙ፣ክቡራን ልምድታቱ ብባዕዳውያን ብፍታዉ ንኽውረር ኣሕሊፉ ክህብ፣ኩላቶም ገዛእቱ በብእብረ መመጺኦም ኣግባዕቢዖምሉ ምንባሮም ናይ ቀረባ መዛግብቲ ታሪኽ ዝትርኾ ሓቂ ኢዩ።

ንዘመናት ተቐቢሩ ዝነበረ ታሪኽዛ ምድሪ፡ ታሪኽ ኤርትራ፣ሎሚ ተፋሒሩ ናብ ዓለም መታን ክዝርጋሕ፡ ንሳቶም እዞም ሳማእታታ ናብዛ መሬት ክቕበሩ በረኻ ወጹ።ኣብዛ ምድሪ ነጊሱ ዝነበረ ልበ-ስሱዓዊ ስምዒት ተፋሒቑ፣ እዚ ናይ ሎሚ ትውልዲ 'ንስኻ ንበር ኣነ ግን ኣብ ክንዳኻ ክሓልፍ'የ' ዝብል ካሪክለም መታን ክለማመድ፣ታሪኾም እናሻዕ ዓመት መጸ ይትረኽ ኣሎ።መዓልቲ ስውኣት ኤርትራ 20 ሰነ። ሽምዓ ዋና ቀማሚት ናይቲ ታሪኽ ኮይና ስለዝተረቖሐት ድማ፡ ዓመት መጸ "ከምዛ ሽምዓ ስለ ህልውና ህዝቢ ኤርትራ ሰብነቶም ኣብምኪኾም፣ብርሃን ኣንጸባርቖም" እናተባህለ ይዝንቶ ኣሎ።ኣብዚ መዓልቲዚ ልዕሊ ካዕበት እንግረመሉ ነገር ኣሎ፣፣ እዚ ኸኣ ዕላምኦም ኢዩ። እዞም ስውኣትና ኢልና ብልብና ሃገራዊ ክብሪ እንህቦም ኣቦታትናን ኣያታትናን፣ ኣብ ግዜ ፖሎቲካዊ ቃልሶም፣ኣብ መንጎኦም ብዙሕ ፍልልያት ነይርዎም እናሃለወ'ዩ።ሃይማኖት፣ግላዊ ኣረኣእያ፣ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኣተሓሳስባ፣ ቤተሰባዊ ክብሪ፣ ዓሌት ቋንቋ፣ እንዳ፣ ሃብቲ፣ ዝና ወዘተ።ነዞም ፍልልያት እዚኣቶም ጸይሮም፡ እረ ኣብ ገለ ገሊኡ ዓመታትሲ፣ናብ ከቢድ ውግእ ሕድሕድ ክሳብ ዘብጽሕ ፖሎቲካዊ ጎንጺ ገጢጥምዎም እኳ እንተነበረ፣ ነቶም ረዘንቲ ፍልልያት ንድሕሪት ኣወንዚፎም፣  እቲ ከሰማምዖም ዝኽእል ናይ ሓባር ነጥቢ ጥራይ ቅድመ ኲነት ብምሕሳብ፣ስለጉዙፍ ሓባራዊ ዕላማ ክብሉ ብመስዋእቲ ሓሊፎም።

ኣብ ሎሚ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ግን፡ ኣብ ሓድሕዱ ዕቡጥ ቅሬታ ዘለዎም መሲሉ ይረአ እነሀ። ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ደገ ዝቕመጥ ህዝቢ፡ ኣብ ክንዲ ብዛዕባ እቶም ሓደ ክገብርዎ ዝኽእሉ ጉዳያት ዓቲቦም ዝዝትዩ፣ ቅድመ ዝኣገረ፣ብዛዕባ ፍልልያቶም ክላዘቡ ክብሉ፣ ከይተላዘቡ ጽዓይ ትዓርቦም ኣላ።ሰብ ምስ ሰብ ክረዳዳእ እንተኾይኑ፣ ቅድም ብዛዕባ'ቶም ሓደ ክገብርዎ ዝኽእሉ ነገራት ብዕምቆት ክላዘብ ኣሎዎ።እምርከስ ኣብ ነፍስ-ወከፍ ፍልልያት፣ ዕቡጥ ጓህሪ ተቐሚሩ'ሎ። ምይይጥ ብዛዕባ ፍልልያት ጅምር እንክብል ድማ፣ እዚ ዕቡጥ ጓህሪዚ ተተኲሱ ይወጽእ'ሎ። ሽዑ ፍቕሪ ከምጽእ ዘይኮነስ፣ ነታ ዝነበረት ቁንጣሮ ፍቕሪ እኳ በኣጋ ኣንፊጹ፡ ትርኑዕ ጽልኢ ኣብ መንጎ ህዝብታት ከምዝትከል'ዩ ዝገብር። ይተከል ድማ ኣሎ፡ እነሆ ካብ ዝትከልውን ዓመታት ፈሊሙ'ሎ!

እምበኣር ኣብ ውሽጥን ወጻእን እንነብር ህዝቢ ኤርትራ፣ ፍቕሪ ንኹሉ ሕብረተ-ሰብ ከተሰማምዕ እትኽእል እኽልቲ ቋንቋ እያ። እሞ ውሽጣዊ ይኹን ደጋዊ እምነትና ከይተተናኸፍና፡ ኣብ ዘራጽሙና ነገራት ድማ ከየድሃብና፡ ስለቲ ብመገድና ክውለድ ዝኽእል ትውልዲ ክንሓስብን ባይታ ክንፈጥርን መታን ክንክእል፡  በብክእለትና ስለፍቕሪ ንምከር።

ስለፍቕሪ ልዝብ ንምግባር ድማ፣ምዕራፍ ሓደ በቶም ዘሰማምዑና ነገራት ምጅማር'ዩ ዘድሊ። ንምሳሌ፡ ካብ ሓንቲ ማህጸን ዝወጹ ክልተ መንእሰያት፡ ክልቲኣቶም ዘይሰማምዕሉ ብዙሓት ነገራት ክህልዉ ባህርያዊ ኢዩ። ክንዮ'ዚ ውን፡ ክልተ ኣሕዋት ንኣከባብያውን ውሽጣውን ኣተሓሳስባኦም ዝምልከት፣ 100% ተሰማሚዖም ካብ ዝነብሩ፣ ፍልልያት ክህልዎም ይምረጽ።ንኣብነት ቻይናን ኣሜሪካን ፍልልያት ተዘይህልወን ውድድር ኣይምገበራን፣ ሩስያን ጀርመንን 100% ስምምዕ ተዝህልወን ናብዚ በጺሐንኦ ዘለዋ ምዕባለ ኣይምበጽሓን። ፍልልያት ንብልሒ እምበር፣ንጎንጺ ኣይኮኑን ዝጠቕሙ።ሓሙሽቴአን ኣጻብዕተይ በበይኑ ቁመት ድኣ ይሃልወን እምበር፣ ፍልልያተን ጸይረን ይምግባኒ ኣለዋ። በቲ ዝህባኒ መግቦት ድማ ንዓይ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንናይ ገዛእ-ርእሰን ህላወ'ውን ዓቢት ተራ ኴንወን ኣሎ። 

እምበኣር ነዞም ፍልልያት እዚኣቶም ብፍቕሪ ክትጥቀመሎም እንተሃቂንካ፣ ፍልልያት ንዕቤት ዘእንፍቱ መራሕቲ ቀስቲ ይኾኑ። ክልተ ኣሕዋት ክልተ በበይኑ ሓሳባት እንተሃልይዎም፣ በቶም ዘሰማምዑ ነገራት ግን ስለትሳማማዕ ልዝብካ ክባተኽ ግቡእ ኣይኮነን። ዘይተሰማምዕ ሓንቲ ነጥቢ ስለዝተረኽበት ጥራይ፣ ነቲ ገዚፍ መሰማምዒ ድልድል ክተፍርሶ ክትብል ኣብ ሓድሕድካ ከቢድ ክሳራ ኢዩ ዝፍጠር። እወ ዕድሜኻ፡ ፍልጠትካ፡ ሕውነትካ፡ ፍቕርኻ፡ ሃገርካ ትኸስር። ድማ ዘይምስምማዕ ኣባና ኣብ ብዙሓት ዝተጀመረ ኣይኮነን። ኣሽንካይዶ ንሕና ብቑጽሪ ሚልዮናት ደቂ ሰባትሲ፣ እቶም ሒደት ኣዳምን ሄዋንን'ኳ፡ ሓደ ኮይኖም ክሰማምዑ ኣይተኻእሎምን። ነዛ ብኮ መዝሚዙ ድማ ሰይጣን፣ ጨሪሶም ተበቲኖምሉ ዝነብሩ መገዲ ንምንዳይ ኣይተጸገመን። ሰንኪዚ ከኣ ዝነበሮም ክብሪ ክንፈጎም ክኢሉ።

ካልእ ኣብነት፣ ኣሽንካይዶ ንሕና ከም ኣብ ምድሪ እንነብር ሰባትሲ፣ኣብ ውሽጢ ማህጸን ዝነበሩ፡ ያዕቆብን ኤሳውን'ውን  ክሰማምዑ ኣይከኣሉን። ንሕናስ ኣብዛ ዓለም ክሳብ ቴስዓ ዓመት ንምምባር ፍልልያት ከነምጽእ ግድነት'ዩ። ያዕቆብን ኤሳውን ግን፡ ካብ ማህጸን ክሳብ ዝወጹ፡ ንትሽዓተ ኣዋርሕ ጥራይ ተዋሂብዎም ከብቅዕ፣ ብምድፍፋእ'ዮም ግዜኦም ኣሕሊፎሞ። ኣማሲኡ ድማ እቲ ኣብ ፍልልያት ጥራይ ኣተኲሮ ምግባር፡ ድሕሪ ልደቶም ስለዝቐጸልዎ፣ ክሳብ ዓመታት ተረሓሒቕዕም ብሕኒን እንዳተጠማመቱ ኣሕሊፎሞ። መወዳእቶኦም ደኣ ፍቕሪ ኣሰኒፋቶም'ምበር።እወ  ፍቕሪ ኣብቲ ስግር ሩባ፡ ተሓናኒቕቖም ክቃተሉ ዘይኮነሲ፣ ሕንቕንቕ እናሎም ተሓቛቚፎም ከም ዝሰዓዓሙ ገይራቶም።

ስለዚ ካብቶም ገዘፍቲ ኣሰማማዕቲ ነገራት ዝበሃሉ ናይ ሓባር ቋንቋታትና፡ ቊጽሪ ሓደ ፍቕሪ'ያ። ፍቕሪ ንዂላቶም ፍልልያት ከምትጸውር እትገብር ገዛፍ እምባ ኢያ። ብጽልኢ ቂሒሩ ዝነበረ ልቢ፣ ፍቕሪ ከተራጋግኦ እኹል ዓቕሚ ኣሎዋ።ፍቕሪ ሃይማኖት ወይ እምነት፣ ሕብሪ-ቆርበት፡ ሃብቲ፣ ዝና፣ፖሎቲካ፣ ገዛውቲ፣ ዓሌት፣ ቋንቋ፣ ባህሊ ወዘተ ኣይትፈልን ኢያ። ሰብ ንዘበለ ኲሉ ብዘይኣፋላላይ ከተፍቅሮ ከምዘለካ፡ ተፎጥሮኣዊ ግዴታ ሒዛ እትርከብ ኣርማ'ያ ፍቕሪ።ስለዚ ንስኻ ከም ሰብ ንሰብ ተፍቅር እንተኾይንካ፣ ነቲ ካብ ኣተሓሳስባኻ ዝተፈልየ ኮይኑ ዝተረኽበ ሰብ፣ ሓሳባትካ ንምግላጽ እትጥቀመሉ ቅማሜ ፍቕሪ ዝመለኦ፣ንዕቀት ዘወገደ እንተዘይኮይኑ፣ ዋላ ንስኻ ቅኑዕ ሃሉ፣ቅንዕናኻ ንዑኡ ዋጋ ኣልቦ ኴኑ ኢዩ ክረኣዮ።ንሱ ጥራይ ከይኣክል ድማ፣ኣባኻ ገዚፍ ጽልኢ ንኸሐድር ባይታ ትፈጥረሉ ምህላውካ'ዩ። እምበኣር ሓወይ፣ዋላ ንሱ ንሰናያትካ ዝጸልእ ሰብ ይኹን፣ንስኻ ግን ድሌታትካ ንምግላጽ ፍቕራያን ቃላት፣ፍቕራዊት ልቢ፣ብፍቕሪ ዝተቐብኡ ከናፍር ኣጥሪ። ዘመኑ ንዓለምና ፍቕሪ ፍቕሪ ከምትሽትት ይግበራ ስለዘሎ፡ ( ዜና ዕርቂ ክልቲኤን ኮርያን፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ማለት'ዩ)  በዚ ሽታዚ ክትማረኽ እምበር፣ካብ ፍቕሪ እትሃድመሉ ምኽንያት ንምርካብ ሃሰው ክትብል ኣይትንበር።

ብኻልእ ገጻት ድማ ዝኸፈአ ጽልእኻ ንምንጋር  ኣሽሙር ዝብሃል ጣቋ ኣሎ።ብደጊኡ ፍቕሪ ለበሰ ዝመስል፣ ኣብ ውሽጡ ግን ድጉል ጽልኢ።ኣሽሙር ንኣሽሓት ደቂዛ ምድሪ፣ ንሞት ተፈሪድሎም ከምዝጠፍኡ ዝገበረ፣ ረቂቕ ኲናት ኢዩ።ፍቕሪ ኣሎኒ እናበልካ፡ በንጻሩ ኣሽሙራት ትነዝሕ እንተኾይንካ፣ፍቕራዊት ልብኻ ካባኻ ጎጥጒጥካ ብምውጻእ፣ ብጽልኢ እንዳተካእኻያ ኢኻ።እቲ ምሳኻ ብዛዕባ ፍልልያትኩም ዝማጎት  ዘሎ ሰብ፣ ቅድሚ ምስኡ ክትላዘብ ምጅማርካ፣ከማኻ ሰብ ምኻኑ ፍለጥ። ምስ ሰብ ትላዘብ ተሃሊኻ፡ ሰብኣዊ ፍቕሪ ክትልግሰሉ ሕገ ተፈጥሮ ይግድደካ ኢዩ። ሓሳብካ ቅድሚ ክትገልጽ ምጅማርካ፡ ነቲ ሰብ ብዘይ ነግ ፈረግ ከተፍቅሮ ሓልን። ሽዑኡ እቶም ንሱ ዘውጽኦም ቃላት ዋላ ጎዳእቲ ይኹኑ፣ ኣማሲኡ ንዑኡ እምበር ንዓኻ ኣይክጎድኡኻን ኢዮም።ንዑኡ ተጎዲኦሞ ድማ ውዒሉ ሓዲሩ ክጠዓሰሎም ምዃኑ ኣይትዘንግዕ።


እግዚአብሔር ኣምላኽና፡ ንህዝብናን ሃገርናን ዓለምናን ዘሰማምዕ መንፈሳዊ ፍቕሪ፡ ንነፍሲ-ወከፍና ክምጥወልና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን።እቶም ወትሩ ኣብ ሕልናና ዘለዉ ሰማእታት ኤርትራ ድማ፣እግዚአብሔር ኣምላኽ ነፍሶም የዕርፍ። ደቆምን ቤተ-ሰቦምን ድማ ጽንዓቱ በረኸቱን ይልኣኽ።

ወስብሀት ለእግዚአብሔር!



fredag 15. juni 2018

ልመና ድያብሎስን ፍርዲ እግዚኣብሔርን

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።
ልመና ድያብሎስን ፍርዲ እግዚኣብሔርን

Bilderesultat for eritrean orthodox tewahdo krstos
ድያብሎስ ዝለመኖ ልመና፣
3ይ መቃብያን 1፣16-24 ኣነውን ብትእዛዘይ ንዝኸዱ ሰባት ኩላቶም ናብ ጥፍኣት ክወስዶም ኢየ፣ ነቶም ዘስሓትክዎም ሰባት ምሳይ ኮይኖም ናብ እሳት መታን ክኣትዉ፣ ነቲ ዝፈጠረኒ ካብ እግዚኣብሔር ቃል ኪዳን ኣሎኒ።17.ኣነ እቲ ቁጥዑኡ ኣብ ልዕለይ ኣብ ዘብዝሓለይ እዋን፣ንመልኣኽቱውን ኣሲሮም ናብቲ ገሃንምን ናብ ሲኦል ዝኾነ ጥልቅን መታን ክወስዱነ ኣብ ዝኣዘዘሉ ግዜ፣ንጎይታይ ለመንክዎ።ንፈጣሪየይ ከምዚ ኢሉ ኣብ ብቑጥዓ ዝኣዘዘሉ ግዜ፣<< ተቖጢዕካኒ ኢኻ፣ብመቕሰፍቲውን ገሲጽካኒ ኢኻ፣ብመዓትካ ቀሲፍካኒ ኢኻሞ፣ኦ ጎይታይ ኣብ ቅድሜኻ ሓንቲ ነገር ጥራይ ንኽዛረብ ፍቐደለይ፣>> ኢለ ለመንኩ።18. ጎይታይ ድማ፣ተዛረበ፣<< ክሰምዓካ ኢየ፣>> ኢሉ መለሰለይ፣ በታ እዋን እቲኣ፣ከምዚ እንዳበልኩም ክልምን ጀመርኩ፣<< ካብ ክብረይ ምስ ተዋረድኩ፣ነቶም ኣነ ዘስሕቶም ሰባት፣ናብቲ ኣነ መከራ ዝቕበለሉ ስፍራ ኣብኡ ምሳይ ይኹኑ።19. ነገር ግን እምቢ እንተኢሎምኒ፣ብኣይ ድማ ዘይሰሓቱ፣ትእዛዝካ ንምግባር፣ፍቓድካ ንምፍጻም፣ቃልካ ዝሕልዉ ትእዛዘይ ግን ዘይሰምዑ፣ ኣነ ኣንክምህሮም እምቢ ኣብ ዝበልሉ ግዜ፣ከስሕቶም ኢለ ኣብ ዝፍትነሉ በኣይ ዘይሰሓቱ፣ንሳቶም ንመንግስትኻ ይኹኑ፣እቲ ክትፈትወኒ እንከለኻ ሂብካኒ ዝነበርካ ዘውዲውን ይውሰድዎ።20.ምሳይ ዘይተሰደዱን ሰይጣናት ዘይተባህሉን፣ነቲ ናተይ ስልጣናትን ናተይ ዘውድን ሃቦም።ናብታ ብሰንከይን ብሰንኪ ሰራዊተይን ቦዶ ዝኾነት ወንበረይ ሂብካ ድማ ኣብ የማንካ ኣቐምጦም።21.ከምፍቓድካውን ንዓኻ የመስግኑ፣ከምቲ ኣነን ሰራዊተይን ዝነበርናዮ ከኣ ይኹኑ፣ንዓይ ጸሊእካ ካብ ሓመድን ካብ መሬትን ንዝተፈጠሩ ስለዝፈተኻ፣ናተይ ስልጣን ተሳዒሩ ኢዩ ናታቶም ስልጣን ግን ልዕል ልዕል ኢሉ ኢዩሞ፣ከምቲ ዝፈተኻዮም ገይሮም የመስግኑኻ።>> 22. ጎይታይ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰለይ፣<< እናረኣዩን እናሰምዑን፣ንፍቓደይ ጸሊኦም ንስኻ ኣስሒትካዮም ኢኻሞ፣ከምቲ ዝበልካዮን ከም ቃልካን ይኹኑ።23.ትእዛዛተይን ናይ መጽሓፍተይ ቃልን ሓዲጎም ናባኻ ካብ መጹ ቅጽዓቶም ኣየጉህን ኢዩ።ከምቲ ንስኻ ዘስሓትካዮም ከኣ ምሳኻ ኣብ ገሃንም ይቀመጡ።24. ክሳብ ዘልዓለምውን ንዓኻን ብኣኻ ንዝሰሓቱን፣ካብ ቅጽዓተ ገሃንም መውጽኢ የብልክምን።ንዘልዓለም ድኣ ኣብ ውሽጢ እሳት ትሳቐዩምበር።>>
ነብይ እዝራ ስለተፈጥሮን ፍርድን ሓቲቱ ምላሽ ረኸበ፣
2ይእዝ 43.ኣነ ኸኣ፣<< ነቶም ዝቐደሙን፣ሕጂ ዘለዉን ነቶም ብሕጂ ዝውለዱን፣ንኹሎም ብሓደ ዘመን ክትፈጥሮምዶ ኣይምኸኣልካን ኔርካ፧ ሹዑ ኩሎም ብሓደ ዘመን ምነበሩ ነይሮም፣በዚ መገዲዚ ድማ ብሓደ ግዜ ምፈረድካዮም ኔርካ፣>> ኢለ መለስክሉ።44.ንሱ ከኣ፣<< እቲ ፍጡር ካብ ፈጣሪኡ ንላዕሊ ኣይንቀሳቐስን ኢዩ።ብዘይካዚ ድማ ኩሉ ብሓደ ግዜ ተፈጢሩ እንተዝኸውን እዛ ዓለም ንኹሉ ብሓደ ግዜ ክትጾሮም ኣይምኸኣለትን ነይራ፣>> በለኒ።45.ኣነ ኸኣ፣<< ጎይታይ!እንታይ ደኣ ነቲ ኩሉ በብዘመኑ ዝነበረ ፍጥረት ብሓደ ግዜ ከምእተተንስኦ ሕጂ ዝተዛረብካኒ፧ሽዑ ክትጾሮ እትኽእል እንተኾይናኸ ስለምንታይ ሎሚ ክትጾሮ ዘይትኽእል፧>> ኢለ ሓተትክዎ።46.ንሱ ኸኣ፣<<እዝስ ነታ ዓሰርተ ዝወለደት ሰበይቲ፣በብሓደ ዘይኮነስ፣ስለምንታይ ንኹሎም ብሓንሳእ ዘይወለድክዮም፧ኢልካ ከም ምሕታት ኢዩ ክኸውን፣>> ኢሉ መለሰለይ።47. ኣነ ኸኣ፣<< ንሱሞ ከቶ ዘይከኣል ኢዩ፣ንሳ ብሓደ መዓልቲ ክትወልዶም ኣይከኣላን ኢዩ፣>> በልክዎ።48.ንሱ ኸኣ፣<< እምበኣር ነዛ ዓለምውን ልክዕ ከምኡ ከም ማህጸን በብግዜ ኣብ ዝተወሰነ ምዱብ ግዜ ሰባት ከተፍሪ ኢየ ገይረያ።49.ከምቲ ሓንቲ ሕጻንን ኣረጊት ሰበይትን ሕጻን ኪወልዳ ዘይኽእላ፣ከምኡ ድማ እቲ ዝፈጠርክዎ ዓለም ስርዓት ኣሎዎ፣>> በለኒ።50. ሽዑ ኣነ << ነቲ ነገር ንስኻ ካብ ኣምጻእኻዮ፣እዛ ብዛዕባኣ እትዛረበላ ዘለኻ ዓለም ገና ንእሽቶ ድያ ወይስ ኣረጊት፧>> ኢለ ሓተትክዎ።51.ንሱ ኸኣ፣" ነቲ መልሲ ካብታ ብዙሓት ደቂ ዝወለደት ሰበይቲ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። <ንምንታይ እቶም ዝነኣሱ ደቅኺ ከምቶም ዓበይቲ ደቅኺ ነዋሕትን ዓበይትን ዘይኮኑ፧> ኢልካ ሕተታ።52. ካብቶም ንሳ ናብ እርጋን ምስ ተገምገመትን ምስ ደኸመትን ዝወለደቶም፣እቶም ጎርዞን ጥዕይትን ከላ ዝወለደቶም ኣዝዮም ጥዑያትን ጹንዓትን ምኻኖም ክትነግረካ ኢያ።
2ይእዝ7፣70-74 እቲ መልኣኽ ድማ " ልዑል ኣምላኽ ነዚ ዓለምዚ ክፈጥሮ ከሎ፣ከምኡውን ንኣዳምን ንዘርኡን ክፈጥር ከሎ፣ብመጀመርታ ንኹሉ ነገር ኣብ ፍርዲ ከምዝቐርብ ገይሩ ፈጠሮ።71.ስለዚ ድማ ካብ ቃልካ ክትመሃር ይግበኣካ። <ናይ ምሕሳብ ኣእምሮና ምሳና ኢዩ ዝፍጠር> ኢልካ ነይርካ።72.እቲ ሓቂ ድማ ንሱ ኢዩ።ናይዚ ዓለምዚ ሰባት ብሓሳቦም ስለዝምርሑ ይሓጥኡ።ትእዛዛት እግዚኣብሔር ተቐበሉ ግና ኣይሓለዉዎን፣ንሕጊ ሙሴ ተቐበልዎ፣ግና ኣይተኣዘዝዎን።በዚ ምኽንያትዚ ድማ ክሳቐዩ ተገብኦም።73.ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ደኣ እንታይ መመኽነይታ ከቕርቡ ይኽእሉ፧ኣብታ መወዳእታ መዓልቲኸ እንታይ ኢሎም ክምልሱ ኢዮም፧74. ልዑል ኣምላኽ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነበሩ ሕዝቢ ንነዊሕ ዘመን ተዓጊስዎም ኢዩ።ግናኸ እቲ ትዕግስቱ ምእንተኣቶም ዘይኮነስ ምእንቲ ምልኣት ዘመን ክፍጸም ኢዩ ዝተዓገሶም፣" እናበለ መለሰለይ።
ኦ ዘትመጽእ ኣመ ዳግመ ዕለት በእንቴነ፣ስምዐነ ኣምላክነ ወመድሐኒነ፣ኦ ክርስቶስ፣ ኦ ተስፋሆም ለኩሎሙ ኣጽናፈ ምድር በእንቲኣነ፣ስምዐነ ኣምላክነ ወመድሐኒነ።ኦ ክርስቶስ(3)

søndag 3. juni 2018

ሓደሽቲ ጓሶት


በስመ ሥላሴ

 

 

ኣብዚ ምዕቡል ማሕበረሰባዊ ናይ ቴክኖሎጂ ዘመን፡ብዙሕ ሰብ ንሓድሕዱ ክጻረፍ ትዕዘብ ኢኻ።እቲ ዝስንዘር ዘሎ ጸርፊ በብዓይነቱን ንንዓይነቱ ዝውክልን እኳ ይኹን እምበር፡ንልቢ ተጸራፍን፡ንኣንባቢ ናይቲ ጸርፍን ኣበሳጭዩ ዘንድድ ምዃኑ ብመጽናዕቲ ተበጺሑ ኣሎ።እዚ ዝውርወር ጸርፊ፡ነቲ ተጸራፊ ዕላማ ዝገበረ ኣይመስልን፡"ይጸርፍ ኣሎኹሞ፡ንጸርፈይ ረኣይዎ፡ክሳብ ክንደይ ኢየ ኣብ ምምሃዝ ጸርፊ በሊሕ ተመልከቱኒ፡ነቲ ተጸራፊኸ ልክዕልክዑ ረኺበዮዶ ወይስ ይውሕዶ፡ሕርሕራይ ገይረ እንተረኺበዮ ኣጣቕዑለይ፡እንተኣውሒደሉ ኸኣ መልኡሉ።"  ዝብል ውሽጣዊ ርእየት ኣሎዎ።


ሓንቲ ሰበይቲ'ያ፡ ኣብ ህይወታ ከይተጻረፈት እንተውዒላ ቀጨውጨው ይብላ ስለዝነበረ፡ ሓደ እዋን ዕለቱ ምሉእ ንጸርፋ ዝእንገድ ሰብ ከይረኸበት ስለዝወዓለት፡ነታ ጓላ " ነጸላይ ሃብኒ ዛጓለይ፡ናብቲ ስግርና ክኸይድ ኢየ፡ኣብኡ ገለ ጸርፈይ ዘዝንበሉ ሰብ ተረኸብኩ።" በለታ።ሃንደበት ሓላፊ መንገዲ ነዚ ክትብል ስለዝሰሞዓ ግን፡"ኣንቲ ሰበይቲ ክትጸርፊ ክትብልስ ስግር ማዕዶ ክትሰግሪ።" ኢሉ ንሓሳባ ክቃወሞ ስለዝበለ፡"ወይ ኣነ! በሊ ተደፊረ፡ግደፍዮ ግደፍዮዛ ጓለይ፡እቲ ዝደልዮ ረኺበ ኣሎኹ።" ኢላ ጸርፋ ቀጸለት ዝብል ብሂል ኣሎ።


ዝጻረፍ ሰብ" ስለምንታይ ትጸርፍ" ኢልኩም እንተሓቲትክሞም፡ንባዕሉ ጸርፊ ነውሪ ምዃኑ ኢዩ ዝእመን።ግን ክንዮ ማዕዶ ሰጊርካ ምጽራፍ ኣይጸልእን።ኣብ ኣሜሪካ ኮይንካ፡ንኣብ ኤርትራ ዘሎ ሰብ፡ኣብ ኢትዮጵያ ኮይንካ ንኣብ ኤውሮጳ ዘሉ ሰብ፡ኣብ ኣውስትራልያ ኮይንካ ንኣብ ካናዳ ዘሎ ሰብ...። ድማ ጸርፍኻ ኩሉ ክርእዮ ኣሎዎ።ዓይነት ኣጸራርፍን፡መጸራረፊ ቦታን'ውን ተመራጺ ኢዩ። ቅድሚ ዓይነታት ጸርፊ ምሕራይካ፡ ንመጽረፊ ዝኾውን ቦታ ከተመቻችእ ግድነት ኢዩ። ናይ ጸርፊ ሽንግርዋ ዝተጀመረ ይመስል። ንኣብነት Facebook፡ ዓቢ ጫካ ናይ ጸርፊ ኢዩ።ኣብዚ ድላይካ ዓይነት ጸርፊ ንድላይካ ዓይነት ሰብ ጸሪፍካ፡ መን ኢኻ ዝብለካ ኣካል የለን፡ንጸርፍታትካ ሳንሱር ዝገብር ግላዊ ይኹን መንግስታዊ ማሕበር የለን።(Youtube). ናይ ጸርፊ መኻርም (ደንበ።) ኣብዚውን ክልተ ጥቕሚ ኣሎካ፡ሓደ ምስልኻ ስለዝረአ፡ብዙሓት ኣንጨብጨብቲ ናይ ምጥራይ ዕድላት ኣሎዉኻ።ካልኣይ ድማ፡እቲ ተጸራፊ ዝያዳ ምስሊ ጸራፊኡ ረርእዩ ዝቑዝመሉ ባይታ ስለዝፈጠርካ ንልቡ ኣጸቢቕካ ዝጎዳእካዮ ኮይኑ ይስምዓካ። ኣዝዩ ተገርምን የጒህን'ዩ።

ዓይነታት ጸርፊኸ፧ ብዙሓት ኢዮም።


1. ከይሞተ ሞይቱ ኢልካ ብምእዋጅ።ጸራፊ ምስቲ ተጸራፊ ብውሽጢ መስመር፡ ሰፊሕ ክርክር የካይዱሞ፡ተማጊቱ ከሰንፍ ስለዘይከኣለ፡መፍትሒኡ ሞይቱ ኢልካ ንዓለም ምእዋጅ ከም ዓቢ ዓወት ይቖጽሮ።ረኣይቲ መርድእ ድማ እነገሊኦም ይስንብዱ፡እነገሊኦም ድማ ይሕጎሱ።ናይ ጸራፊ ዕላማ ግን፡ከመይ ኢሉ እቲ ተጸራፊ ብውሽጡ ይሰዓር ኢዩ።


2. ብዕልግናዊ ጸርፊ።እዚ ማዕቢለ ኣሎኹ፡ዘስምዕ ዓይነት ጸርፊዩ።እቲ ጸራፊ ምስቲ ተጸራፊ ኣብ ናይ ግሎም ጉዳይ፡ምርድዳእ ይስእኑሞ፡"ተዓዘቡኒ፡ንእገለ በዚ ዘመናዊ ጸርፊዚ ይበልጾ ኢየ።" ዘስምዕ ምራቕ ናይ ጸርፊ ይተፍእ።እቶም ኣንበብቲ ናይቲ ጸርፊ እነገሊኣቶም ይጉህዩ፡ክንድዚ ዝኣክል ብዕልግና ኣብ ልሳንዚ ወለዶ ሰንኪ ምስራጹ።ዓለም ብጥበብን ብልሕን ክትመልእ እንዳተጸበዩ፡ኣብ ልሳን ናይዚ ወለዶ ጸረፍያውያን ይፈርዩ ስለዘሎዉ የልቅሱ።እነገሊኣቶም ድማ፡ሓጎሶም ክገልጹ ክብሉ፡ነቲ ናይ ብዕልግና ጸርፊ ይውስኽሉ።እዚ ምውሳኽ ጸርፊዚ፡ብውሽታዊ፡ብcomment ዝብሃል መሳርያ፡ወይ ድማ ብኸምኡ ካልእ ዓይነት post ተተኪኡ፡" እነሆ ናተይ ጸርፊ ዝበለጸ።" ዘስምዕ እንክመስል ይስንዘር። ጸራፍያን ሰብ ሞያ ሓደሽቲ ጸርፍታት፡ መሃዝያንን መሃንድሳትን ድማ ሓደሽቲ ናይ መጻረፊ ኣዳራሽ ከዳልዉ ኣብ መንገዲ ክመሓላለፉ ንርኢ ኣሎና።


3. ጸሌዮአዮ ኣሎኹሞ ኣጻልኡኒ።እዚ ዓይነት ጸርፊዚ፡ብብዙሕ ዓይነት ሸነኻት ኢዩ ዝካየድ።ብኣሽሙር፡ብቐጥታ፡  ተዘዋዋሪ፡ ብከንቱ-ውዳሴ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።ጸራፊ ሓለፍኩ ክብል ብዙሕ ዓይነታት ሜላ ይጥቀም።ተጸራፊ፡ንኡሽቶ ጥበብ ዝጎደለቶ እንተኾይኑ፡" ንዓሻ ኣምተሉ ክንደይ ከይግምቶ" ስለዝኾኖ ንመን ተባሂሉ ከየስተውዓለ ይሓልፎ።ጥበበኛ እንተኾይኑ ግን፡ነቲ ጸራፊ ከምዝሰዓሮ ንነብሱ የእምና።


ብዛዕባ ጸራፊ ሰብ ክፍለጥ ዘለዎ ሓፈሻዊ ሓዊ፡ ስለዝተዓወተ ኣይኮነን ዝጸርፍ።ዕውት ሰብ ብልሕታት ዓወቱ ንዓለም ከስተምህር፡መርትዖታቱ የቕርብ እምበር፡ ናብ ጸርፊ ኣይጎዪን ኢዩ።ኣብ ዘምንና ሰብ ንጸርፊ ቅልጡፍ፡ንልዝብ ዝሕቱል ዝኾነሉ ስለምንታይ ኢዩ ኢልካ እንተሓሲብካ።ኣንባቢ ሰብ እንዳወሓደ ይመጽእ ስለዘሎ ኢዩ።ሰብ ብድንቁርና እንተተዋሒጡ ክምጉት ኣይክእልን ኢዩ።ጥበበኛ ሰብ ጥበቡ ከርኢ ክብል ዘይተፈተሹ ናይ ጥበብ መጽሓፍቲ፡ዘይተሓተቱ ናይ ኣእምሮ መምሃራን፡ዘይተበርበረ ናይ መዝገብ ዩኒቨርስቲ ክፍትሽ ኢዩ ዝውዕል እምበር፡ሆ!  ኢሉ ንጸርፊ ልሳኑ ኣይውርውርን ኢዩ።ኣብ ሕብረተ-ሰብና፡" ፍረ ዘለዎ ገረብን፡ፍረ ዘለዎ ሰብን ንታሕቲ ይደኑ፡" ዝብል ኣበሃህላ ኣሎ።ፍርያም ኣእምሮ፡ ፍረ ዘለዎ ልዝብ የመንጩ፡፡ፍረ ዝተሓረሞ ኣእምሮ ድማ፡ንኣእምሮ ዘቑስል ቃላት ይጭንጒዕ።ብዙሓት ተጻረፍቲ፡ዕዉታትን ምዕቡላትን ኮይኑ ስለዝተሰመዖም ኢዮም ምጽራፍ ዝመርጹ።ናይ ዓወት ምልክት ግን ሞጒትካ ክትረትዕ ምኽኣል እምበር፡ ጸርፍታት ብምስንዛር ኣይኮነን።ንኹላቶም ሓሳባትካ ተቐባልነት ዘይክህልዎም ይኽእል ኢዩ።እቲ ሽግር ካብ ክልቲኡ ሓዲኡ'ዩ። ወይ ናትካ ወይ ናይቲ ብጻይካ ግንዛበ ስለዝጎደለ ምኻኑ ፍሉጥ ኢዩ።ስለዚ " ነዛ ህላውነት ግንዛቤ ብኸመይ ይመላእ'ሞ፡ስምምዕ ይኽሰት፧" ዝብል ጥበብ ከተፍልቕ እንተዘይክኢልካ፡ገና ኣብ ድንቁርና ከምዘለኻ እመን።


ኣብ ተመኩሮይ ወትሩ ዘሰላስሎ ነገር ኣሎ፡፡ እዚ ጓሳ ናይ ጥሪት እንከለኹ'ዩ፡፡ እታ ዝጓስያ ዝነበርኩ ጤል ዓስ ኢለያ እንተኣብያትኒ፡ ናብ ምትህርራም'ተ ዝጓየ ነይረ። እዚ ከኣ ንሳ፡ ኣእምሮኣ ተጠቒማ ስለምንታይ ከምዝኣበየት መርትዖ ሒዛ ከተቕርብ ዓቕሚ ከምዘየብላ ስለዝፈልጥ'የ፡፡ ስለዚ ክሃርማ ወይ እምኒ ክድርብየላ ኢዩ ዘለኒ።ምኽንያቱ " ስለምንታይ ኢኺ ኣቢኺ" ኢልካ ምስ ጤል ምጉት ክትገብር ማለት ስለዘይከኣል።እምበኣር ሓደ ጓሳ ጥሪት፡ ንእንስስኡ ብበትሪ፡  ሎሚ "ኣነ  ጓሳ ኣእምሮ፡ ምሁር ሰብ ኢየ!" በሃሊ ድማ፡ ብጸርፊ ክመሳሰሉ ይረኣዩ ኣሎዉ።እቲ ጓሳ ጥሪት ምስታ ጤል ናይ መረዳድኢ ኣእምሮ ኣብ መንጎኦም ስለዘየለ፡ ሓንትን ክያንትን ብበትሪ ወይ ብእምኒ ጔርካ ምስ ጤሉ ምርድዳእ እንኮ ከም ኣመራጺ ይወስዶ። ካብ ናይ ሎሚ ምሁረ-ኣእሮ ዝምንጩ ልሳን ድማ፡ ብዙሕ ናይ ምርድዳእ ኣመራጺታት እናሃለወ፡ ነቲ ከምኡ ኣእምሮ ለበስ ሰብ፡ ሰብ ምዃኑ እንዳተፈለጠ ከም ጤል ተሓሲቡ ብጸርፊ ዓስ ክበሃሃሉ ንርኢ ኣሎና። ዝሓስብን፡ዝልወጥን ሰብ ክንሱ ክመሃር ክፈልጥ፡ ክዓቢ፡ካብ ብልሒ ናብ ብልሒ ክምጠጥ ዝኽእል፡ ኣእምሮ ዝወነነ ናይ ሰብ ተፈጥሮ ምዃኑ ዝተፈልጠ ክንሱ፡ ብጸርፊ ክሰሃሃሉ ንርኢ ኣሎና። ናይ ሎሚ ጓሳ ምስ ሰብ ይላዘብ ምህላዉ ዘንጊዑ፡ ከም ምስ እንሲሳ ብናይ ጸርፊ በትሪ ክተሓናነቕ ክትርኢ ዓገብ ዘብል'ዩ።


እቲ ብእምኒ ጔሩ "ዓስ!" ዝብል ዘሎ ጓሳ ምላልባሽ እኮ ተጋግዩ፡ እታ ጤል ግን ቅንዕቲ ክትነብር ትኽእል ኢያ።መረዳድኢ፡ ኣእምሮን ቋንቋን ኣብ መንጎኦም ስለዘየብሎም ግን፡ ጓሳ ንጤሉ ተኣብያ ክሃርማ ጥራይ ኢዩ ዘለዎ። እምበርከ፥ እታ ጤል "ከምዚ ስለዝኾነኮ ኢዩ'ኮ" ኢሎም ንሓድሕዶም ከረዳድእሉ ዝኽእል ባይታ የለን። ምስ ጤል ብጭራሽ ርድድእ ኣይከኣልን'ዩ። ናይ ሎሚ ጸራፍያን'ውን ከምኡ፡ ኣጣል ዝሕልዉ ፡ኣብ በረኻታት facebook ዝውዕሉ ዘለዉ ጓሶት መሲሎም ይረኣዩና እነሀዉ።ዓስ ይብሉኻሞ፡ ንሓሳቦም ምቕባል እንተኣቢኻ ግን፡ከረድኡኻ ወይ ብሱል ምጉት ሒዞም ክቐርቡኻ ዓቕሚ የብሎምን።ስለዚ በታ በዓልቲ ሞያ ልሳኖም ገይሮም፡ ብጸርፊ ዓስ ይብሉኻ። ለካ ብጸርፊ'ውንባ 'ዓስ!' ይበሃል'ዩ! መቸስ፡ ምስ ሰብ እንክተረዳዳእ ናይ ኣእምሮ ጒልበት ክትጥቀም፡ ምስ እንስሳ እንክትማጎት ድማ ዶንጎላ ክህልወካ ባህርያዊ ኢዩ።ናይ ዘመንና ጸረፍቲ ግና ኮር ተገልበጥ ትኸውን ኣላ።


ለካ ኣብ ዓለምና ሓደሽቲ ጓሶት ይፍጠሩ ኣሎዉ።ናይ Facebook ጓሶት።ክጸርፉ እምበር ከማጎቱ ዘይክእሉ። ብጸርፊ ክዋረዱን ከዋርዱን እምበር፡ ነቲ ግገኛ ክእርሙ ዘይክእሉ። "ከመይ ኢለ ክሕግዞ"ዘይኮነስ ከመይ ኢለ ጅግንነተይ የርእዮ በሃልቲ፡፡ ጥበብ ኣልባ ጓሶት ይፈርዩልና ኣሎዉ። ሕጂ'ውን ክፍለጥ ዘለዎ፡ ሓደ ጸራፊ በዓል ሞያ፡ ክንድዚ ዝኣክል ናይ ጸርፊ ልምምድ ይግበር ኣይግበር ብዘየገድስ፡ ንኣእምሮኡን ኣእምሮ ሰማዕትን፡ ስለዝጸረፈን ዘጽረፈን ጥራይ፡ ቅንጣብ ናይ ምዕባለ ኣስተዋጽኦ ኣየምጽኣሉን ኢዩ።ኣብዚ ናይ ኣካዳምያዊ ቤት ትምህርቲ ኪደት ኣቓልቦ ዝግበኦ ጉዳይ ኣሎ፡፡ ንኣሽቱ ተማሃሮ፡ ዕሸላት፡ ዓለም ብዙሕ ተስፋ ምዕባለ እትገብረሎም ህጻናትን መንእሰያትን፡ ናይዚ ጸርፍታት'ዚ ተቛደስቲ እንዳኾኑ ይመጹ ኣሎዉ።ሓደ ተማሃራይ ናይ ዩኒቨርስቲ ጥበብ ከፍሪ እንዳተጸበኻ፡ መመንጨዊ ጸርፊ እንዳኾነ ይመጽእኣሎ።ተማሃሮና ስለዝተማሃሩ፡ ብብሱል ኣእምሮኦም ንዓለምና ከስተምህሩ እንዳተመነኻ፡ ከረድኡን ክረዳድኡን ይኽእሉ የለዉን፡፡ ጸርፊ ግን እንኮ መፍቲሕኦም ኴና ንርእያ ኣለና።ንናይ ሽግራት መፍትሒ ዝኾኑ ቃላት ኣይምህዙን፡፡ ሓደሽቲ ዘመናውያን ናይ ብዕልግና ጸርፊ ግን ንምምሃዝ ብሕልሚ ከይተረፈ ይምነዩ። ናይ ጸራፊት ልሳን ዘገርም ነገር፡ ክእለታ ካብቲ ብድንቁርና ዝተኸበበ ኣእምሮ ዝምንጩ ምዃኑ'ዩ።


ስለዚ Facebookናን Yutoubeናን ሓደሽቲ ጓሶት የፍርየልና ኣሎሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ወናኒ ጥበብ፡ ንምጥፋእ ማሃይምነት ናይ ምጽዓር ሓላፍነት ይሰከም። እቲ ስራሕ፡ ማሃይምነት ካብ ኣእምሮ ንምልጋስ፡ብመጀመርያ ገዛእርስኻ ብጥበብ ዝተኸበበ ብሱል ኣእምሮ ክትውንን ብምግባር'ዩ ዝቕድም። ንኣብነት ነቲ ኣብ ስነ-መጎት፡ ምርዳእን ምርድዳእን  ዝኣበየካ ሰብ፡ካብ ክትጸርፎ ዋላ ይጋገ ይሃሉ፡ ፍሽኽ በሎ። ፍሽኽታኻ ምላልባሽ ብተንኮል ወይ ብኣሽሙር ክትርግሞ ይኽእል ይኸውን።ንስኻ ግን ካብ  ኣእምሮኻ ዝመንጨወ ጥዑም ፈገግታ ምሃብ ወትሩ ተለማመድ እምበር፡ ዘይብሱል ልሳን ከተጥሪ ክትብል፡ ኣብ ልሳንካ ሕማቕ መርዚ ኣይትኽዖ። እወ፡ ልሳንካስ ብጨው ደኣ ኣቃምማ'ምበር፡ብመርዚ ምምራዝሲ፡  ንስኻውን 'ታይ ግድኻ ክትምረዝ ኢኻ።

lørdag 12. mai 2018

ኣእምሮ ዘመንጨዎም ሕቶታትን መልስታቶምን 5ይን ናይ መወዳእታን ክፋል፣-

Relatert bilde
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።
13. ሕቶ፣-ርትዒ ቀቲልካ ንእምነት ካብ ምንጋስ፡
ሶቅራጦስ ምስ እየሱስ
ኮንፍሽዮስ ምስ ሃዋርያ ጳውሎስ፡
ሓታትን ተሓታትን
ንምንታይ ዘይፈጠርካዮም፧

መልሲ፣-ርትዒ ቀቲልካ፣ እረ ዓገብ ዝባን ርትዒ፣ ርትዒ ኣይመተን፣ሞይቱ መሲሉካ እምበር ተንሲኡ ኢዩ።ንሱ ዝሞተ ሰሪ መዋትነትካ ኢዩ።መዋትነካ ንህያውነቱ ሰንኪ ምሒር ፍቕሩ ናብ መቓብር ከምዝወርድ ገይርዎ።ግን ኣጆኻ ኣይሞተን፣እቲ ዋና ርትዒ ኣይሞተን፣ስለዘይሞተ ኢዩ ከኣ እምነት ይንገስ ኢሉ ዝእውጅ ዘሎ።እን ሶቕራጦስ ብቕንዕነኦም እን ኮንፍሽዮስ ብዝናውነቶም ንርትዒ ክንዲ ፍጻመ ዝኣክል ኣይመስልዋን ክመስልዋውን ኣይክእሉን ኢዮም።ፐርከስ ፍጡራን ብምኻኖም ጥራይ ምልኣታዊ ርትዒ ክህልዎም ኣይክእልን ኢዩ።ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ሓቃዊ ርትዒ ኢዩ፣እቲ ርትዒ ስለርትዒ ኢሉ ኣብ ኢድ ዘይርቱዓት ወደቐ፣ብርትዒ ተራትዐ፣ሞት ክራትዖ ኣይተኻእሎን፣ብርትዓውነቱ ንርትዑ በቶም ርቱዓት ሰዓብቱ ናብ መላእ ዓለም ርትዒ ከንግስ ናይ እምነት ርትዒ ሰበኸ።ዘመንካ ምሉእ ደሊኻ ነዚ ዝመስል ርትዒ ኣይክትረክብን ኢኻሞ ተኸኣልካ፣ብርትዓውነቱ እመን።ተዘይከኣልካ ግን ነዛ ፍጥርቲ ዘይኮነት፣ፈጣሪ ዝሰረታ ርትዒ ኣህጺጽካ፣ፍጡራን ንዝሰረትዋ ርትዒ ከተንግስ ናብ ቤት ርትዒ ኣይትምጻእ።ኣብ ኣፋፍኖ ርትዒ ተደኪልካ፣ግንዛቤኻ ንኽክዕብት ተደሊኻ፣ክትመሃር ናብ ቤት ርትዒ ምጻእ፣ፈንቂለ ዘየፍረስክዋ ኢልካ ግን ኢድካ ኣይተዋጣውጥ ስለርትዒ ኢለ ክልምነካ።

ሓደ ካብ ውሽጣዊ ምጉትካ ካብ ዘንበብክዎ እንተሃልዩ ግን፣ኣብዛ ዓለም ንዝነበሩ ዝነበሩን ዘለዉን መደርቲ ርትዒ፣ዕግበት ከምዘይረኸብካሎም ኢዩ።እወ ብሕጂውን ኣይክትረክብን ኢኻ።ፍጡርዶ ፈጣርያዊ ፍትሒ ከርትዕ ይኽእል ኢዩ፧ከመይ ናይ ፍጡር ኣእምሮ ፍጽምቲ ፍትሒ ከንግስ ኢዩ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር፧ኣብዛ ዓለም እንኮ ጥርዓንካ እትኽዕወላ፣መልስታትካ እትሓፍሰላ፣ቁስልኻ እትዝንነላ፣ንዝተበተኑ ሓሳባትካ እትጥርንፈላ፣ውሽጣዊ ጛሂኻ እትድርጉሓላ፣እንኮ ሓንቲ መንፈሳዊት ኤንባሲ ኣላ።ፈጣሪ ንናይ ኩላቶም ደቂ ሰባት ጥርዓን ሰሚዑ ዘዝግብኦም ሞሳ ዝምጥወላ ሓንቲ መንፈሳዊት ኤምባሲ ኣላቶ።ቤተክርስትያን ኢያ፣ሓንቲ ሕክምና እረ ዓባይ ሆስቢታ ኣላቶ፣ኩላቶም ሕሙማን መንፈሳዎ ቃምዛታቶምም ዝፍወሱላ፣ቤተክርስትያን ኢያ፣ሓንቲ ጫካ እረ ካብ ከባቢ ኣማዞንን ካብ ማእከላይ ቅናት ምድርን ዕጽፊ ጻዕቂ ጫካ ዝወነነት ኣበር ዘይኣተዋ ሕዛእቲ ኣላቶ፣ ኣብ ትሕቲ ኢድ ረቒቕ ሓለዉኡ ዝተደኮነ መንፈሳዊት ሕዛእቲ።ደቁ ካብ ፍላጻታት ጸላኢ ንግዚኡ ዝሕብኡላ ቤተክርስትያን ኢያ።ፐርከስ ፈጣሪ ነቶም ኣዝዩ ዘፍቅሮም ደቂ ሰባት ኣብዛ ምድሪ ንዘልኣለም ንክነብሩ ኣይኮኑን ድልየቱ።እምበኣር ተዘይተምበርከኽካ ኢሎም ዘጛይዩኻ ጸረ ሰናያትካ ተሃልዮም ጎይኻ ናብዛ ሕዝእቲ ስፍራ መጺኻ ተዓቆም።ንመን ክረኽቦ ብኸመይ፣ዝብል ስክፍታ ኣይሃሉኻ።ዙርያኻ ብኣገልገልቱ ተወቂቡ ኢዩ ዘሎ።እንተሓሚምካ ብዙሓት መንፈሳውያን ነርስ ኣሎዉ፣ምስቲ ሰማያዊ ዶክተር ዝኾነ ፈጣሪኻ ዘራኽቡ፣ጥርዓን ተልዩካ፣ቆንስላውያን ኤንባሲታት ናይ ፈጣሪ፣ክትሕባእ ካብ ዓለም ሃድምካ ኣብቲ ሕዛእቲ ናይ ፈጣሪ ክትሽጎጥ እንተደሊኻ ድማ የግድኻ፣መንፈሳውያን መራሕትን ሓለውትን ናይዛ ጫካ ኣሎውኻ።ነቲ ግሩም ጫካ፣ኣብ ክንዲ ብጽባቔኡ ተደኒቕካ ጡዑም ሽታ ናርዶሱ ክትዕንገል ኣክንዲ ትህንደድ ግን "ተዘየንደድክዎ፣" ነቲ ምኡዝ መንፈሳዊ ሕክምና "ተዘይኣፍረስክዎ"፣ነታ እናሻዕ መንፈሳዊ ጥርዓን ናይ ፍጡራን ናብ ፈጣሪ፣ ብመንገዲ ጸሎት ዝካየደላ ኤምባሲ ድማ ፣"ብፍጡራዊ ኪደት ተዘይተማሕደረት" ኢልካ ኣብ ዘይመንጠቢትካ ኢድካ ኣይትምለስ። ኢድካ ከይትሓርር።ቅድሜኻ ብዙሓት እዞም ብታሪኽ ዝጠቐስካዮምን መዓልታዊ እትመሃሮምን፣ንዕንወታ ጽዒቶም ኢዮም ግን ፈሪሶም ከምዝተረፉ ባዕልኻ እነኻ ምስክር።


14. ሕቶ፣- ኣብ ሓደ ወለዶ፡ ኣብ ሓደ ዘመን።
ደስ ድዩ ዝብለካ፧
ማዕጾኻ ክኹሕኳሕ
ንሰብ ከተቐብል
ኣብ ኢዱ ንዘሎ መፍትሕ
ንምዃኑ ኸ መኣስ ኢኻ ከተዕርፍ፧

መልሲ፣-እወ ደስ ይብሎ ኢዩ።ፍጡራቱ መዓልታዊ ነታ ረቃቕ ማዕጾኡ ክኩሕዋ ክንደይ ደስ ይብሎ መስለካ!እዞም ብኢዱ ዝፈጠሮም ዘመናት፣ ዘመኖም ምስ ኣብቅዐ፣ነቶም ዘመናት ዘይክግድቦም ኢሉ ዝፈጠሮም ደቂ ሰባት፣ኣብቲ ንሱ ዝመደቦ ዘመን ክጽውዖም ኢዩ፣ንሳቶም ድማ ክኹሕኩሕዎ ኢዮም።እዛ ምልኣት ዘመን ዚኣ መዓስ ኢያ ክትኣክል ቁልፊ ኣብ ኢዱ ምህላዉ ምምስካርካ ጽቡቕ ምስክር ተዓዚበልካ ኣሎኹ።ስለዚ ብገዛእ ኣእዳውና ዝቆለፍናዮም መፋትሕ፣ብፉጡራዊ ጉልበትና ክፍትሑ ስለዘይከኣሉ፣ነታ መፍትሕ ዝሓዘድ ኢድ ፈጣሪ ምምዕዳው ከድሊ ኢዩ።ምላልባሽ ንነገራትና ባዕልና ብገዛእ መፍትሕና ዝቖለፍናዮም ክመስለና ይኽእል ኢዩ።ቆላፍን ፈታሕን ግን ንሱ ኢዩ።ክንፍታሕን ክንቁለፍን ድማ ፍቓደኝነት ኣባና ኢዩ ዝምርኮስ።"ክፍታሕ ደልየ፣ክሽገጥ ይሕሸኒ" ዝበለ ኣእምሮ ናይ ፍጡር፣ኢድ ፈጣሪ ዝርግሕቲ ኢያ።ግን ምርጫ ፍጡራን ዘብቅዓሉ ዘመን ከኣ ኣሎ።እቲ "ኣብዚ ይሕሸኒ" ኢልካ ዝምረጸሉ ዘመን ሕጂ ኢዩ፣ድሕሪ ጉድጋደ መቓብርሲ ናይ ምምራጽ ዕድል ይዕጾ ምበር ንኽትመርጽ ባይታ ኣይክፈትን።"ኣንታ ፈጣሪ፣መዓስ ኢኻ ከተዐርፍ" ዝብል ስንፍናዊ ሕቶ ነቢበልካ ነይረ፣ክነግረካ ፈጣሪ ኣይደክምን ኢዩ።ዘይደክም ድማ ኣየዕርፍን ከመይ ኢሉኸ ክደክምን ከዕርፍን።በንጻሩ ፍጡር ግን ኩሉ ግዜ ምስ ደኸመ ኢዩ። ሕቶኻ ንባዕሉ ንኣእምሮኻ ከምዘድከሞ ግሩም ምስክርነት ኢዩ።ድኻም፣ዕረፍቲ፣ድቃስ ምትንሳእ ዝብሉ ባህርያት ድምዳሜ መታን ክረኽቡ ፈጣሪኻ ስለፍቕርኻ ክብል ብተዋህዶ ለቢስዎም ኢዩ።

ክርስቶስ "ሓሚሙ፣ደኺሙ፣ደቂሱ፣ጸሚኡ፣ጠምዩ፣ለሚኑ፣ተሰቒሉ፣ደምዩ፣ሞይቱ፣ተቐቢሩ" ዝብል ክርስትያናዊ ምስክርነት ብወረ ሰሚዕካዮ ትኸውን ኢኻ።እዞም ዝበልናዮም ድኻማት ብእርይ ቁጽር፣ንፍጡር ዝውክሉ ባህርያት ኢዮም።ስለዚ ካባኻ ከልግሱ ተኾይኖም ፈጣሪ ክለብሶም ነይርዎ።በቲ ሓደ ወገን ድማ ሓሚሙ ክበሃለሉ እንከሎ፣ረቀቕቲ ኣቕሳል ይዝነኑ ነይሮም፣ጸሚኡ ጠምዩ ዝብል ዛንታ ክትሰምዕ እንከለኻ፣ካብ መንፈሳዊ መግቦቱ ንምጦ ነይርና፣ሓሚሙ ሞይቱ፣ተቐቢሩ ዝብል ዘሕዝን ዜና እንክትሰምዕ፣ሕማምና፣ሞትና ቀብርና ድምዳሜ ይገብረሉ ምንባሩ ኢዩ።እዚ ምግባሩ ፈጣሪ የመስግኖ እምበር ከመይ ከንቅፎ ተኻኢሉ! ደጊም ታሪኽ ድኻም ተዓጽዩ ኢዩ።ፈጣሪ እንደገና ብሕጂ ክደኽመልካ፣ክሓመልካ፣ክልምነልካ፣ክሳቐየልካ፣ክሞተልካ ትጽበ ተሊኻ በየማነይቱ ዘኾልስ ዝነበረ ሰብ፣"ብክልቲኤን የእዳውካ ገይርካ ኣኾልሰኒ" ኢሉ ክርክር ዝገብር ሰብ ትመስል ኣሎኻ። ብርግጽ ፈጣሪ ብኽልተ ኣእዳዉ ጥራይ ዘይኮነስ፣ኩሉ ነፍሱ ስለዕንጋሌኻ መግቢ ኮይኑ መጺኡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ጥሜንትካ ሙግርምራምካን ዓጺዎ ኢዩ።ክቡር ሓታቲ ሓወይ፣ተኾነ ብውህበቱ ደስ ይበልካ፣ካብ ደስታና ድማ ንዓ ተቓደስ። ተዘይኮነ ግን ኣብ ቤት ደስታ መጺኻ ኣይትረብሽ።

ኣድማስ ፍጥርቲ ክሳብ ዝኾነት፣ናይ ፈጣሪ ኢያሞ ኣብ ልዕሊ ስርዓተ ኣድማስ ብፍጡራዊ ኣእምሮኻ ተጠቒምካ ጽገና ናይ ኣድማስ ክትገብር ኣይትሓልን። ዓቕሚ ክሳብ ዘይሃለወካስ ትም ደኣ ከኣል።ከመይ ኢሉኸ ፈጣርያዊ ዓቕሚ ክህልወካ፣ንስኻ ኣካል ናይ ኣድማስ ፍጡርምበር፣ክንዮ ኣድማስ ክትጋልብ እትኽእል ናይ ፈጣሪ ፈረስ ኣይኮንካን።ንዓኻ፣ፈጣሪ ኣብ ክበብ ናይ ኣድማሱ ንኽትነብር ፈቒድልካ ኣሎ፣ክንዚ ዝኣክል ዓቢ ዕድል ቀሪብልካ ኣሎ፣፣ኣብዚ ኮይነ ከም ኣብ ማህጸን ኣዲኡ ዘሎ ህጻን "ንናይ ዓለም ናብራ ከመይ ይመስል ግለጽ" ተባሂሉ እንክሕተት ኩሉሙሉ ንምግላጹ ዝእግሞ፣ኣብዚ ኮይነ ንምግላጻ ዓቕሚ እትሓጽረኒ እጽብቲ ስፍራ ኣዳሊልካ ኣሎ።ተኸኣልካ ተጸባዪኣ ኮይንካ ንዓ ምሳና ብተስፋ ተሓወስ፣ተዘይኮነ ግን ኣድማስ እትፈርሰሉ ዘመን ርሑቕ ስለዘይኮነ፣ክሳብ ሰዓቱ ዝኣክል ፍጡራዊ ትዕግስቲ ግበር። ጽባሕ ንተሃወጽቲ ርሕቕቲ ትመስል፣ንበዓል ተስፋ ግን ካብ ጽባሕ ዝቐርብ ማይክሮ ሰከንድ ፈጺምካ ኣይርከብን ኢዩ።

እግዚኣብሔር ንዝሓትት ሕልና በቲ መላሲ ባህሪኡ ክምልሰሉ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን።
ወስብሀት ለእግዚኣብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።
ኣእምሮ ዘመንጨዎም ሕቶታትን መልስታቶምን ኣብዚ ይፍጸም።
እዚ ጽሑፍዚ ኣብ ገጻት ፌስቡክ ተሓንጢጡ ዝተሰንዘረ፣
ንልቢ ገርህታት ኣብ ህልውና እግዚኣብሔር ዘላቶም እምነት ከደናግር ይኽእል ኢዩ ኢለ ስለዝገመትኩ፣
<<ብመልክዕ ቃንቃ ናይቲ ሓታቲ ዝተመለሰ ቁንጫል መንፈሳዊ መልሲ ኢዩ፣>>
ኢለ ዝቐረብክዎ ኢዩ።ሕቶ ክቕበል ፍቓደኛ ኢየ ግን ኣብ ፕሪቫት።

ኣነ ግዳ ውሉድካ ንክናኣናዊት'ኳ ዝመሓርካ...

 በስመ ሥላሴ ኣብራም'ዩ ግብረይ ኣብ ካራን ምንባረይ ሃብታም'ዩ ሰፈረይ ብዘመናዊ ስራይ ኣብኡ'የ ዝወድቕ ይሃጥር ብስጋይ ሓሽከት ሓጣውእ ይበራረዩለይ ገንዘብ ሶዶም ክኸስብ ገንዘብካ ይስእኖ እናሻዕ ይንኖ...