torsdag 21. mars 2019

ምስንኻል

ምስንኻል!!

በስመ ስላሴ ነንብቦ።
ንስኻ ክትሰናኸል ከምእትኽእል ትፈልጥ ኢኻ፡ሰንኪ'ቶም ኣሰናኸልትኻ ድማ፡እግዚኣብሔር ንኣሰናኸልትኻ ከቢድ ቅጽዓት ቀሪብሎም ከምዘሎ እንከመልክት፡መጥሓን ዝተኣሰሮ ኣድጊ ንባሕሪ እንክጥሕል ንዘሎ ክብደት ኣመዛዚኑ እንክዛረብ፡ቅጽዓት ናይቶም ኣሰናኸልቲ እምበሺ ከቢድ ምኻኑ ምትንብሁ ኣጸቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ።ወገነይ እቶም ንዓኻ ዘሰናኸሉ ኣሰናኸልቲ፡ክንድዚ ዝኣክል ቅጽዓት ክቕጽዑ ምኻኖም ካብ ፈለጥካምበኣር፡ንስኻውን ኣሰናኻሊ ካብ ምኻን ተጠንቀቕ።ምኽንያቱ ንስኻ'ውን ሳግላ እካ እንተኾንካ እንተዘይተተኺልካስ ኣይክትነሓፍን ኢኻ።
ሓደ ክዝሙ ዝተቐረበ ሰብ ናብ ቤት ዝሙት ክኸድ ክብል እቲ ገዛውቲ ስለዝተደናገሮ ኣብቲ ከባቢ  ምስ በጸሐ ድንግርግር ክብል ንኣኻ ኣብኡ ኣብቲ ከባቢ ስለእትቕመጥ፡ኣብ መንገዲ ረኸበካሞ፡" ኣብዚ ከባቢ ዘላ ቤት ዝሙትሲ ኣበይ ኢያ ዘላ?" ኢሉ ሓቲቱካ ንብል።ነዚ ሰብዚ ምተሓባበርካዮዶ ወይሲ ምኸላእካዮ፧እዚ ሰብዚ ብዝሙት ዝተሰናኸለ ሰብ ኢዩ።ስለዚ ክዝሙ ብምኻኑ ከቢድ ክጽዓት ተቐሪብሉ ኣሎ።ክዝሙ ደልየሞ ተሓባበረኒ ምስበለካ ድማ፡እንተተሓባቢርካዮ፡ተሓባባሪ ዝሙት ብምኻንካ እጃም ቅጽዓትካ ክትቅበል ኢኻ።ጽባሕ ንግሆ እቲ ዘማዊ፡ብእግዚኣብሔር" ስለምንታይ ዘሚኻ" ተባሂሉ ምስተሓተተ፡" ኣነስኮ እታ ገዛ ኣይረኸብክዋን ነይረ፡ንስኻ እግዚኣብሔር ስለዝሰወርካያ ነታ ናይ ዝሙት ቤት ስኢነያ ኢየ ነይረ፡እዚ ናትካ ኣገልጋሊ ዝኾነ፡ንዝሙት ዝጽየፍ ሰብ ግን ነታ ገዛ ኣብ ጎረቤቱ ስለእትረከብ ይፈልጣ ጸኒሑ ሓቢርኒ፡ኣነ ድማ ካብ ዝሓሰብክዎ ንድሕሪት ኣይበልኩን። ተዘይሕብረኒ ግን ኣይምዘመኹን።" ኢሉ ክኸሰካ ክለዓል ኢዩ።
እሞ ወገነይ ነዚ ኣብ ሰንከልከል ዘሎ ብጻይካ፡እንተኻኣልካ ካብ ውድቀቱ ከተተንስኦ ጽዓር እምበር፡መሊሱ ክወድቕ ኣይትድፍኣዮ።ንስኻ ነቶም ንክጸድፉ ኣብ ቀረባ ዘሎዉ ስንኩፋት ሰባት፡ ስሒብካ ካብ ምጽዳፎም ክትስሕቦም እምበር፡ክትንውንዎም ኣይተጸዋዕካን።እግዚኣብሔር አእጃምኩም ክኸፍለኩም ኢዩ።ንሱ ክወድቕ ኢሉ ስለዝተሃንደደ፡ንስኻ ድማ በዚ ኣሎካ መጽደፊ ኢልካ ንኽጸድፍ ስለዝተሓባበርካዮ ክልቴኹም ንፍርዲ እግዚኣብሔር ተቓሊዕኹም ኣሎኹም። እትነሓፈሉ መገዲ ደኣ ኣናዲምበር ንጥፍኣትካ ኣይተቀላጥፍ።ፍርዲ እግዚኣብሔርኮ መዳለዊት ኣይኮነት።ኣብ ፍርዲ እግዚኣብሔር ነግ ፈረግ ዝብሃል የለንሞ፡ብሰንኪ ኣሰናኽልነትካ ብዙሓት ከይሰናኸሉስ ወትሩ ተሓሎ።ኢድ እግዚኣብሔር ነቶም ዝተሰናኸሉን ኣሰናኸልቶም ክትቀጽዕ ንዕለተ ምጽኣት ትጽበ እነሃ።ኣዳም ምስ ተሰናኸለ በይኑ ከምዘይተቐጽዐ ትፈልጥ ኢኻሞ፡ከይትሰናኸልን ከይተሰናኽል ጥንቁቕ ኩን።
እግዚኣብሔር ስለኩሉ ውዕለቱ ይመስገን

lørdag 16. mars 2019

ነመስግነካ! (እዚ ጽሑፍ'ዚ ካብ ቋንቋ ዓረብ ዝተተርጐመ'ዩ!)

ነመስግነካ፣
በስመ ሥላሴ!

ኦ ርህሩህ ኣምላኽና ነመስግነካ፣ንነብር ስለዘለና ነመስግነካ፣
ነዛ መዓልቲዚኣ ስለዝኣተናያ ነስግነካ፣
ነመስግነካ ጎይታ ስለሰታርነካን
ደገፍካናን።ኣቦና ስለዝኾንካ ነመስግነካ፣
ከማኻ ዝኣመሰለ ኣቦ ድማ የብልናን ስለቲ ብዙሕ
ግብርኻ ነመስግነካ፣
ክንዮቲ ዝሓተትናካን ዝሓሰብናዮን ኣዕዚዝካ ስለዝገበርካልና
ነመስግነካ።
ኩሉ መዓልቲ ነመስግነካ ጎይታ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ህላወናናን፣
ኣብ ነፍሲ ወከፍ እንንቀሳቐሰለን ሰዓታትን ነመስግነካ።
ንኹሎም ጸገማትናን ሽግራትናን ስለእትፈትሓልና ነመስግነካ።
ኣብ ሽግራትን ቅጽዓትን ዕጉሳት  ስለዝገበርካና ነመግነካ፣
ነገር ግን ሳህልኻን ምሕረትካ ንኹልትናና ከቢብና ዩ ዘሎ።
ወትሩ ድኹማትን ስኡናትን እካ እንተኾንና፣
ብዓቕልኻ ስለእትጽበየና፣ከይነዓቕካ ከም ጥቕሚ ዘየብሎም
ገይርካ ስለዘይረኣኻና ነመስግነካ ኦ ጎይታ።
ኦ ጎይታ ኣዚኻ ስለእትከናኸነናን፣ንፍቕርና ስለእትሕልዎን ነመስግነካ።
ካብ ፍለጻን ተንኮልን ሰይጣን ስለእትሕልወና ነመስግነካ።
ቤተክርስትያንካን መንበሪ ገዛናን ሃገርናን ስለዝኸፈትካልና
ነመስግነካ።
ብምሕረትካ ካብ ኩሉ ጸረ ሰናያት ስለዝኸለልካያ ነመስግነካ።
ኣብ ዘመንና ብዛዕባ ታርኽካ ዘዘንትዉን ንመንገድኻ
ዘርኡዩን ሰባት ስለዝለኣኽካልና ነመስግነካ።
መምሃራን ናይ መምርሒ ሕይወትና ዝኾኑ ሰባት ኣብ
ዘመንና ስለዝገበርካ፣
ትዕግስቲ ዝምህሩ ሰባት ስለዘምጻኻ ነመስግነካ።
እነገልግሎም ሰባት ስለዘዳለኻልና ነመስግነካ።
ንዐኦም ብምግልጋልና መንግስተ ሰማያት ከምንወርስ
ስለዝገበርካ ነመስግነካ።


ነመስግነካ ኦ ጎይታ ንኹሉ ቃላትካ መዝሙራትካን እትልእኸልና፣
ተኣኪብና ከነመስግነካን ክንዝምረልካን ስለዝገበርካ ነመስግነካ።
ነመስግነካ ኦ ጎይታ፣እነስተንፍሶ ኣየርን፣እንንቀሳቐሰሉ መሬትን
ስለዝሃብካና።
ከማና ሰባት ኣብ ሲኦል ኣሎዉ፣ናይ ምምላስ ዕድሎም ተወዲኡ፣
ክምለሱ ብዘይምኸኣሎም ብኸመዚ ተቐጺዖም።
ኣዚና ድማ ንነብዓሎም።ንሕና ግን ኦ ጎይታ ከነመስግነካን፣
ክንባርኸካን፣
ናባኻ ክንምለስን ዕድል ኣሎናሞ ነመስግነካ ኣሎና።
ኦ ርህሩህ ኣምላኽና፣ቁጽሪ ዘየብሉ ሓጢእና ኢናሞ ይቕረ ግበረልና፣
ብዙሓት ዕድላት ስለዝኸሰርና ይቕረ ግበረልና።
ኦ ኣምላኽና ካብ ጸሎት ነዊሕ ምርሓቕና ኣዚና ከሲርና ኢና።
ንቃላትካውን ብዙሕ ከሲርናዮ ኢና።
ንኣገልግሎት ብዙሕ ከሲርናዮ ኢና፣ንዓኻ
ብዙሕ ብዘይምግልጋልናውን ነዊሕ ከሲርና ኢና።
ኦ ጎይታ ንሕና ኣባጊዕካ ተታሊልና ኢና፣ኩሉ ድማ ነናብ
መንገዶ ወሲዱና።
ካብ ቤትና ካብ ልብና ሸፊትና ኢናሞ፣በቲ ዘይውዳእ
ምሕረትካ ይቕረ ግበረልና።
ንሓጢኣትና፣ስሕተትና ድኻማትና ንኹሉ ትሪ ልብና ይቕረ ግበረልና፣፣
ኣብ ውሽጥና ዘለዉ ትምክሕትታት ኩላቶም ኢምንት ክኾኑ ኢዮም።
ኦ ጎይታ ልሳንና ብዙሕ ከምእንኸስር ስለዝገበረትና ይቕረ ግበረልና።
ርእስና ካባኻ ዘርሕቑ ብዙሓት ዓይንታት ሓሳባት ብሰንኪ ምምላእና፣
ብዙሕ ከሲርና ኢናሞ ይቕሬ ግበረልና።
ብዙሓት ኣብ ልብና ክንዓቕሮም ዝግበኣና ስለዝኸሰርናዮም
ድማ ይቕረ ግበረልና።
ይቕረ ግበረልና ኦ ጎይታ፣ ንመሎኮትካን  ኣብዛ ዓለም
መጺኻ ዝደመኻዮ፣
ዝቖሰልካዮን ባህርኻን ስለዘየድነቕናዮ።
ነቲ ኣብ ውሽጥና ኮይኑ ከም እንጽሊ ዝገብረና
ዘሎ መንፈስ ቅዱስካ ስለዘሳደድናዮ ይቕረ ግበረልና።

እምኒ ዝኾነ ልቢ ድማ ንኻልእ ከመይ ገይርካ
ከምዝፍቀር ኣይፈልጥን ኢዩ።
ኦ ኣምላኽ ኣባና ምሕረትካ ልኣኽሞ፣ካብ ድኻምን
ትህኪትን አድሕነና።
ኦ ጎይታ ምሕረትካ ልኣኽሞ፣ካብ ድንዛዘን ብዕዛዘን ኣድሕነና።
ኦ ጎይታ ንጸላኢና ከመይ ገይርና ከምእነፍቅሮ ኣይንፈልጥን ኢናሞ፣
ሓይልኻ ልኣኽ መታን ክረድኣና።
ሓደ ሓደ ግዜውን ምስ የሕዋትናን ኣሓትና ከመይልና
ከምእነፍቅሮም ኣይንፈልጥን ኢና።
ኦ ጎይታ ምሕረትካ ካባና ከይርሕቕ ርድኣና።
ዝያዳ ነፍቅረካ ተንህሉስ ንሳህልኻ ምረኣናዮሞ፣
ኩሉ ቀሊል ኮይኑ ምተራኣየና ነይሩ።
ኦ ርህሩህ ጎይታ፣ኣብዛ ዓመት ዝተረፈና ሰናይ ነገራት መልኣልና።
ካብ ዝሓለፈ ብዝበለጸ ናባኻ እንምለሰሉ ዓመት ግበረልና።
ዋላ እንሰርሓሉ ዓመትውን እንተኾነ ቅኑዕ
ስራሕ እንሰርሓሉ ዓመት ግበረልና።
ከምቶም ኣብ መበል 11 ሰዓት ተዳልዮም ዝጸንሑ ክንከውን
ግበረና።
ኦ ኣምላኽ ንዓኻ እተፍቅር ሓዳሽ ሕይወት ሃበና።

ካብ ኩሎም መዓልትታት ሕይወትና ነፍስና እትሕጎሰሉ
ዕለት ግበረልና።
እዚ ድማ ከመይ ኢልና ቅኑዕ ዕዮ ከምእንዓዪን፣
ቅኑዕ ሕይወት ከምእንመርሕን ክገብረና ኢዩ።
ኦ ኣምላኽና ካብ መጀመርያ ንምጽላይ መሃረና።
ከመይ ኢልና ከምእነፍቅረካ መሃረና።
ብዘይካኻ ካልእ ንኸይንርኢ መሃረና፣ንዓኻ
ካብ ምርኣይ የዒንትና ከይንኽልክል ድማ መሃረና።ን
ዓኻ ኣብ ቀዳማይን መወዳእታን ቦታ ከነቐምጠካ መሃረና።
ነተን የእዳውካ ክንሕዘንን ከይንፍንወንን መሃረና።
ትሕት ኢልና ንክንሰግድ መሃረና።ኦ ጎይታ ወሓዚ
ንብዓትን ሕጹብ ሕልንናን ንክህልወና መሃረና።
ናባኻ ከመይ ኢልና ከምእንለግብ መሃረና፣እዚ
ድማ እቲ ዝበለጸ ምግባርና ክኾውን'ዩ።
ንነፍሲ ወከፍ ቃላትካ፣
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ፍጻመታትካ ድምጽኻ
ከመይ ኢልና ከምእንሰምዖ መሃረና።
ኣብ ኩሉ ሕይወት ዕድሜና ሕጉሳት ንክንከውን መሃረና።

ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤትካ ስለዘለናን ዉሉድካ ስለዝኾንናን
ድማ ነመስግነካ ኣሎና።
ኦ ጎይታ፣ማራኺት መንግስትኻ ኣብ ሕልና ልቦናና
ከምእትህሉ ግበረልና።
ንኹሎም ቅዱሳንካ ከምእነፍቅሮምን፣
ዕለት ዕለት ድማ ብጸሎቶም ከምእንርእየካን ግበረና።
ንሕልናና፣መንፈስና፣ኣካላትና፣ልሳንና የዒንትናን
ሓሳባትናን ከም ንክቆጻጸሮም ሓግዘና።
ኦ ጎይታ ደረጃና ክንሕሉ፣ናብቲ ዝለዓለ
መንግስትኻ ድማ ክንኣቱ ሓግዘና።
ኦ ኣምላኽ፣ነቲ ናይ ሃድን ሰኪዐትና ክንድርቢ፣
ንኹሉ ነገራት ሓዲግና ድማ ንዓኻ ክንስዕብ ሓግዘና።
ኦ ጎይታ ካብ ኩሎም ዘፍርሑ ነገራት ሓራ ግበረና።
ኦ ጎይታ ካብ ቅጽዓታትን ፍርድን ሓራ ግበረና።
ካብ ሕሱምን ንሰባት ካብ ምፍራድን ሓራ ግበረና።
ኦ ኣምላኽ ንሰባት ብየዒንትኻ ንክንርእዮም፣
ከም ናይ ልብኻ ድማ ክንርዶኦም፣
ብሓሳብካ ክንሓስቦም፣ብየእዳውካ ድማ
ከነገልግሎም መሃረና።ከምቲ ንስኻ ንዓና ክትብል ዝነበርካ፣
ንዖኦም ክንብል ክንነብር መሃረና።

ኦ ኣምላኽ ንዝሓለፈ ዓመትና ኣስተኻኺልካ ርኣየልና፣
ብጽቡቕ ከምንጅምር ድማ ግበረና።
በቲ ዘይውዳእ ጽቡቕ ነገራትካ ገይርካ `ውን ነዛ ዓመትዚኣ፣
ነቶም ድኻታት፣ንዘኽታማት፣
ስደተኛታትን ገያሾን ህዝብኻ ባርኽ። ንሕና ኩሉና
ነቲ ቅዱስ ስምካ እንዳጸዋዕና ንልምነካ ኣሎና።
ምኽንያቱ ኩላተን የዒንቲ ናባኻ ኢየን ዘንቅዓርራ፣
ኩለን ቤተክርስትያንካን ህዝብኻን'ውን ንናትካ ባርኾት
ኢየን ዝጽበያ።
ኦ ኣምላኽ ንሃገርና ተኸላኸለላ፣ብሳህልኻ ድማ ከልላ።
ንመራሒናን ንኹሎም ሓላፍነት ዝተሰከሙን ዘክሮም።
ኦ ጎይታ ንቤተክርስትያናትና ዘክረን፣ብምሕረትካን
ሳህልኻን ድማ ከልለን።
ንፓትርያሪክናን ኩላቶም መራሕትን ጳጳሳትን ዘክሮም።
ንህዝብኻ ክመርሑ ድማ ዓወትን ኣሳልጦን ሃቦም።
ኦ ጎይታ ነቶም ምሉእ ዓለም ዘለዉ ተኸተልትኻ ዘክሮም፣
ምሕረትካ ድማ ንኹሎም ለኣኸሎም።
ኦ ጎይታ ነቶም ድኻታት ህዝብኻን ምንም ዘየብሎም
ስኡናትን ዘክሮም።
ብዘይካኻስ ካልእ የብሎምን።ኦ ጎይታ ንእሱራትን
ሕሙማትን ዘክር፣ነቶም ዝተጨውዩን ዝተሓየሩን፣
ኦ ጎይታ ነቶም ኣለቃሕቲ ወሃብቲ፣ካባኻ ዝጽበዩን፣
ስነምግባራውያንን ዘክሮም።ነቶም ዘይኣምኑኻን፣
ኣባኻ ጽኑዕ እምነት ዘየብሎምን፣
ኦ ጎይታ ንኹሎም'ቶም ኣብ ቅድሜኻ ኮይንና ክንጽልየሎም
ዝሓተቱናን ዘክሮም።
ንኩላቶም ተጓዓዝትን ካብ ቤቶም ዝወጹን፣
ንኹላቶም ካባኻ ዝሸፈቱ መንእሰያትን፣ነዞም
ኣብዚ ከቢድ ዘመን ዝተወልዱ፣
ናባኻ ንምምጻእ ዝኸብዶም ዘለዉ ህጻናት፣
ኣብ ኩላቶም ምሕረትካን ረዲኤትካን ልኣኽ።

ንኹላቶም ካህናትና ዘክሮም፣ቅዱሳንካ ልኢኽካ ድማ
ኣገልግሎትካ ከምዝከናወን ግበሮ።
ምኽንያቱ ብዙሕ ኣገልግሎት ኢዩ ዘለካ፣ኣቶም ዓየይቲ
ግን ኣዝዮም ውሑዳት ኢዮም።
ንህዝቢ መመሊስና ከነፍቅሮም ኣበራትዓና።
ምሳኻ ቆጸራ ንክንገብርን ክንረኽበካን ኩሉ ግዜን ኩሉ
ኣሐይለና።
በረኸት ናይታ ረዳኢትና ዝኾነት ድንግል ኣዴና፣ብረኸት ናይ ኣቦና ሃዋርያ ማርቆስ፣
ኣቦና ኣብርሃም ናይ ኩሎም ቅዱሳንካን ባርኾት ኣይፈለየና።
ምስ ምሉእ ምስጋናኻ ናባኻ ክንጽሊ እንከለና ስምዓና።
ነቲ ቅዱስ ስምካ ድማ ከምዚ ኢልና ንጽውዖ ኣሎና።

ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና....


onsdag 20. februar 2019

ምንባር

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ።

ምንባር

ምንባር ንዓኻ እንታይ ኢዩ፧ ነዚ ሞይትካ እንከለኻ ምንባር ዲኻ ምንባር ኢልካዮ፧ ብዙሓትኮ ህልዋት ክንሶም ንዘልኣለም ዝነብሩ ኣሎዉ፡ብዙሓት ድማ ህልዋት ኢና እንዳበሉ፡ምውታን ኮይኖም ዝነብሩ ኣሎዉ።ምንባር ብምርጫ ድኣምበር ተዓዲልካ ብትካቦ እትነብሮ ኣይኮነን።ክትፍጠር እንከለኻ፡እቲ ዝሰርሓካ ፈጣሪ፡ንስኻ ገና "ኣእዛን ፍጠረለይ፡የዒንቲ ግብረለይ፡መልሓስ ኣብ ትንሓገይ ኣቐምጠለይ፡መታን ክበልዕ ኣስናን ግበረለይ ወዘተ" ኢልካ እንከይለምንካዮ፡ነዞም ነገራትካ እዚኣቶም ኣጣጢሑ ኣብ ምንባርካ ወሳንነት እጃም ንክትህብ ምሉእ ዕድል ሂቡ ናብዛ ዓለም ኣምጺእካ ኢዩ።ድሕሪኡ ዘሎ ንምንባርን ንሞትን ምሕራይ ግን ናባኻ ኢዩ።ድማ ኣብ ዝማእማኣካ መሪጽካ ምንባርን፡ሓላፍነት ክትስከመሉን እቲ ዕድል ምርጫ ነዓኻ ተዋሂቡ ኣሎ። ሕጂ ንስኻ ይነብር ኣሎኹ ትብል ኣሎኻ።ፈጣሪኻ፡ምንባር ኢሉ ዝሰምዮ ግን ከመይ ዓይነት ምንባር ምኻኑ ኣይትዝንግዖን ኢኻ።ዋላ ንዓይ ንኸማኻ ሰብ ይነብር ኣሎኹ ኢልካ ከተታልለኒ እንተፈትንካ፡ንውሽጥኻን፡ነቲ ንናይ ውሽጥኻ ሕሹኽታ ዝሰምዕ ፈጣሪኻን ግን ከተሽክዕ ኣይከኣለካን ኢዩ።

እሞ ኦ ወገን፡ሞይትካ እንተሊኻ፡ተንስእ ተበራበር፡፡ ኣሽንካይዶ ንስኻ እዚ ንናይ ሂወት ምምራጽ ዕድል ንስሓ ዘለካሰብ ክትነዓቕሲ፡ኣብ መቓብር ካብ ዝቕበሩ ንዝቡሕ መዓልትታት ዝገበሩ እካ ኣይተናዕቁን።እረ "ሬሳዩሞ ከይጨንወና" ኢሎም ኣፍንጨኦም ዝዓበሱ፡ፈጣሪ ግን ብስሞም እኽቢሩ ዝጸውዖም ብዙሓት ከምዘለዉ ከመይ ዘንጊዕካዮ!! በል ኮንቱ ምኽንያት ገዲፍካ ካብ ሙማትካ ተንስእ።ንሱ ከተንስኣካ ኣይእግሞን ኢዩ።ንስኻ ጥራይ ፍቓደኝነትካ ግለጸሉ።ነዚ ኣምላኽካ ክትትንስእ ምስትፍትን ድቃስ ኢሉ ኢዩ ዝሰምዮ፡ትነብር ተሊኻ ድማ፡ኣነባብራኻ ለውጢ ግበረሉ፡ዓምን ሎምዘመንንን ሓደ ዓይነት ናብራ ክህልወካ ኣይትምረጽ፡ፐርከስ ንስኻ ካብ ባዶነት ናብ ምልኣት ቅድስንኡ ንኽትበጽሕ ዝተዓደምካ ናይ ፈጣሪኻ፡ክቡር ጋሻ ኢኻ።ኣብ ቅድሜኻ ብዙሕን ዘይምኖን መኣዲ ተቐሪቡ ኣሎ።አረ በሊዕካዮን ሰቲኻዮን ዘይምኖ ጥዑም ናይ ሂወት መኣዲ!! ነዚ ተሓሲምካ ብቅጫን፡ሽሮን ጥራይ ክነብር ይኽእል ኢየ፡ትብል እንተኮይካ ግን፡ጾምካ እረ ኣብ መካነ ምውታን ተቐቢርካ ምህላውካ ተገንዘብ።መጽሓፍ" እቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ ሕብስቲ ኣነ ኢየ፡ብልዐይ ብልዒ ሓቂ፡መስተይ ድማ መስተ ሓቂ ኢዩ።" በለ።(ዮሐ6) ንዘሎ ኣንብቦ።ኣብኡ፡ስጋይ ዘይበለዐ፡ደመይ ዘይሰተየ፡ናይ ዘልኣለም ሂዎት የብሉን፡ዝብል ጽሑፍ ከተንብብ ኢኻ።በል ኣንታ ክቡር ንብረት ናይ እግዚኣብሔር ዝኾንካ ሓወይ፡ምንባር በዚ ብልዒዚ፡በዚ መስቲ ደኣምበር፡ብጥብስን ጮማን ጥራይ ኣይትምዘንን ኢያ።ከምኡ ተትኾውን እሞ፡ፈጣሪኻ ናብዛ ዓለም ስጋኻ ለቢሱ ምምጻእ ኣይመድለዮን።ዓንተቡኡውን እዛ ዓለምና ስጋን ጮማን ሕምቶንሲ ኣይተነፍጋን ነይሩ።

በል ተንስእ ስምካ ካብ ናይ ምውታን መዝገብ ተፋሒቑ ክድምሰስ መታን፡ናብ ሂወት ምረጽ።ሽዑኡ ጎይታኻ፡" ወደይ ሞይቱ ነይሩ ተንሲኡ፡" ኢሉ ፈጣሪኻ ብኣኻ ክሕበን ክጅምር ኢዩ። ክትትንስእ ኣንከለኻ ግን ነቲ መሪጽካዮ ዝነበርካ ናይ ምውታን ስነምግባራት ፈጺምካ ፈንፍኖ።እዚ ግብረ ምውታንዚ፡ንዓኻ መሊሱ ናብቲ ዝነበርካዮ ሞት ዝወስድ እምበር፡ኣብ ህላወኻ ቁንጣሮ እጃም የብሉን።
ወስብሀት ለእግዚኣብሔር።

lørdag 12. januar 2019

እንተዘይሞይትካ ኣይቀትሉኻን'ዮም

እንተዘይሞይትካ ኣይቀትሉኻን'ዮም!
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ፡
ወዮ ሓደ ሓረስታይ ዝፈትዋ ኣድጉ ኣብ ጉድጛድ ኣተወቶ።እቲ ጉድጛድ ኣዝዩ ነዊሕ ካብ ምኻኑ ዝተላዕለ ከኣ እታ ኣድጊ ባዕላ ንምውጻእ ኣዝያ ተሸገረት።በዚ መሰረት ብዓቢ ድምጺ ክትንቁ ጀመረት።ዋናኣ'ውን ንኸውጽኣ ብዙሕ ፈተናታት እካ እንተገበረ ክሰልጦ ኣይከኣለን።እታ ኣድጊ ብዙሕ ዘገልገለትን፡ዕድሜኣ ሓሊፉ ኣዝያ ዝኣረገትን ስለዝነበረት ግን፡"ካልኦት እንሲሳታት ድማ ኣብቲ ጉድጛድ ከይኣትዉ" ኢሉ ብምሕሳብ ነቲ ጉድጛድ ክደፍኖ ወሰነ።ኣማራጺ ስለዝሰኣነ ድማ ነታ ኣድጊ ኣብኡ ክደፍና ሓሰበ።
በዚ መሰረት እቲ ጉድጛድ ቀልጢፉ መታን ክድፈን፡ንምድፋን ክሕግዝዎ ዝኽእሉ ጎረባብቲ ጸዊዑ፡ነቲ ጉድጛድ ብሓመድ ክደፍኖ ጀመረ።እታ ኣድጊ ድማ ነዚ ርእያ ጨኪኑ ይቐብራ ምህላዉ ተረዲኣ፡እንዳሕነቕነቐት ብዝበርተዐ መልክዑ ከተልቅስ ጀመረት።እቲ ዋናኣ'ውን ንልቕሶኣ ምጽዋሩ እካ እንተጸገሞ፡ካልእ ማራጺ ስለዝሰኣነ ግን፡ካልኦት ዝፈትዎም እንሲሳታት ከይድገሙዎ ብምሕሳብ ተቐላጢፉ ክደፍኖ ነይርዎ።
እቶም ደፈንቲ ተቐላጢፎም ክደፍኑ ምስጀመሩ ግን፡ሃንደበት እታ ኣድጊ ሓደ ነገር ሓሰበት።ነፍሲ-ወከፍ ሓመድ ንኽትድፈን ኣብ ልዕሊኣ ክዓልብ እንከሎ፡ነቲ ኣብ ልዕሌኣ ዝዓልብ ዝነበረ ሓመድ ክትነግፎን ብእግራ ክትረግጾን ጀመረት።በዚ መሰረት ድማ፡ሓመድ ክድፈኣላ እንከሎ፡ንሳ'ውን ነቲ ሓመድ ነጊፋ ሓንቲ ብራኸ ብምውሳኽ ንላዕሊ ክብ ክትብል ከኣለት።በተደጋጋሚ ሓመድ ክድፈኣላ እንከሎ፡ንሳ ድማ ብተደጋጋሚ ኣብ ዝባና ንዝዓለበ ሓመድ ነነጊፋ ሓፍ እንዳበለት፡ሓፍ እንዳበለት ኣብ መወዳእታ እቲ ጉድጛድ ምሉእ ብምሉእ ክድፈን እንከሎ፡ንሳ ድማ ምሉእ ብምሉእ ካብቲ ጉድጛድ ክትወጽእ ከኣለት።
ብዝገርም መልክዑ፡ክቐብርዋ ዝሓሰቡ ኣድጊ፡ንሳ ግን ብዘይተጸበይዎ መንገዲ ካብቲ ጉድጛድ ምሉእ-ብምሉእ ከተምልጥ ከኣለት።

ኣብ ሕይወትና ዘለና ኣማራጺታት ክልተ ጥራይ ኢዮም። ወይ ንላዕሊ ምውጻእ፡ወይ ድማ ንታሕቲ ወሪድካ ኣብቲ ጥልቀታዊ ጉድጛድ ተቐቢርካ ምትራፍ።

ጽሓፊ፡ ድ,ዳኒኤል ክብረት
ትርጉም፡ተኽለማርያም

torsdag 10. januar 2019

በእንተ ጾመ ነብያት 3ይን መወዳእታን ክፋል

ብስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ



በእንተ ጾመ ነብያት 3ይን መወዳእታን ክፋል

ጾም ማለት ካብ ኩሉ ሓጢኣት ምኽልካል ማለት ኢዩ፣

ኩላቶም ሓጣውእ፣ኣንጻር እግዚኣብሔር ኢዮም።ጽድቅን ሓጢኣትን፣ሓቅን ሓሶትን፣ቅድስናን ርኽሰትን፣መንፈሳውነትን ስጋውነትን፣ብርሃንን ጸልማትን እግዚኣብሔርን ሰይጣንን ተጻረርቲ ኢዮም።ስለዚ ክርስትያን ካብቲ ንፈጣሪኦም ዝጻረር ነገር ዘበለ ኩሉ ክኽልከሉ ይግበኦም።እዞም ፈጣሪ ዝጸልኦም ዝበልናዮም ነገራት፣ዘርዚርካ ኣይውድኡን ኢዮም፣ንኹሉ ሓጢኣን ንምፍላጥን፣ንኹሉ ጽድቂ ምፍላጥ የድሊ።ንኹሉ ሓጢኣት ንምኽልካል ድማ፣ኩሉ ጽድቂ ምግባር የድሊ።ስለዚ ክርስትያን ካብ ሓጢኣት ክሕረሙ፣ንጽድቂ ድማ ክርዕሙ እንከለዉ፣ብተዘዋዋሪ መንገዲ፣ጸወምቲ ሓጢኣት፣ተመገብቲ ጽድቂ እንዳኾኑ መንፈሳዊ ሂዎት ይድልድሉ።

ነብያት ስለምንታይ ጾይሞም፣-
ኣብ ዘመነ ነብያት፣ሓጢኣት ኣብ ደቂ ሰባት ነጊሱ ነይሩ ብምንባሩ፣ንእግዚኣብሔር ኣብ መጺኦ ክነግሰሎም ሃረር ይብሉ ነይሮም።
ልቢ ደቂ ሰባት ዋላካ ማዕረ መጠን ኣልቦ ምስፈጣሪኦም እንተተጣበቐት << ጽድቅና ከም መርገም ጨርቂ ኮነ፣>>
ክሳብ ምባል ግን ንናይ ፈጣሪኦም ናብ ምድሪ ምምጻእ ፍጹም ተመነዩ።
ደቂ ሰባት ካብ ምድሪ ዝተፈጠሩ እካ እንተኾኑ፣ግን ኣብ ገነት ኢዮም ዝቕመጡ ነይሮም።
ኣብ ቅድሚ ፈጣሪኦም ዓመጽ ስለዝፈጸሙ ግን፣ገበኖም ናብ ምድሪ ከምዝወርዱ ገበሮም።
ስለዚ ናብታ ጥንታዊ ሃገሮም ክምለሱ ፍጹም ደለዩ።ንህነሰ ሀገሪትነ ዘበሰማያት እንዳበሉ ጨደሩ።
ናብኣ ክወስዶም ዝኽእል ድማ እቲ ካብኣ ዝሰጎጎም ፈጣሪ ምኻኑ ይፈልጡ ኢዮም።ክመልሶም እንተኾይኑ ድማ፣
ብምሕረቱን ብዘይ ምርመር ጥበቡን እምበር፣ብናታቶም ክእለት ከምዘይኮነ ኣዳዕዲዖም ይፈልጡ ኢዮም።
ስለዚ እታ እንኮ ክገብርዋ ዝኽእሉ፣ከምታ ናብ ምድሪ ዝሰጎጎም፣
ሕጂ ድማ ናብ ምድሪ መጺኡ ክወስዶም ናብታ ጥንታዊት ሰማያዊት ሃገሮም  ክወስዶም፣ክልምንዎን
፣ምእንትኡ ክብሉ ጾምን ሱባኤን ክገብሩን፣
ከምዘለዎም ተረድኡ።ነዚ ድማ ካብቶም ቀዳሞት ነብያት ክሳብቶም ዳሕረዎት በብዘመኖም ጸሙን ጸለዩን።
ቀዳማይ ነብይ፣ኣቦና ኣዳም ኢዩ።100 ዓመታት ድማ ብጾምን ብጾሎትን ምስ ፈጣሪኡ ተዘራረበ።ቀጺሉ ዝመጸ ነብይ
፣ሴት ወዲ ኣዳም ኢዩ።ንሱ ውን ከምኣቡኡ ብጾምን ጸሎቱን እንዳነበረ፣ናብቲ ዝቕጽል ወለዶ ኣሰጋገሮ።
ኩላቶም ቅዱሳን ነብያት ድማ ክሳብ እቲ ናይ መወዳእታ ነብይ ናይ ሃዋርያትከኣ ጀማሪ ተባሂሉ ዝንገረሉ
ዮውሓንስ መጥመቕ ብጾምን ብጾሎትን ፈጣሪኦም ሰማያት ጨንዲሑ ናብ ምድሪ ክወርደሎም፣ናብ ስፍራኦም ከኣ
ክመልሶም ለመንዎ።እግዚኣብሔር ድማ ነቲ ኣቐዲሙ ስሌኣቶም ክብል ክኸፍሎ ዝሓለኖ መስዋእቲ ክሳብ ሞት ከፍቅሮም ምኻኑ፣
ነዚ ሞት ዝሰማምዖ ስጋ ሕዛ እትርከብ ድማ ሓጢኣት ይኹን መርገም ዘይሓለፋ፣ድንግል ብሕልና ወድግንል በስጋ፣
ንድግል ማርያም ኣብ ሕልንኡ ኣቂብዋ ከምዝጸንሕሞ ካብኣ ከምዝግለጸሎም ኣኣብ ዘመኖም የበስሮም ነበረ።መዓልቱን
ሰዓቱን ምስ ኣኸለ ድማ፣ብሓጺር ቁመት፣ብጸቢብ ደረት ኣብ መብልዒ ማል ተለደልና።

  • ክርስትያን ስለምንታይ ኢዮም ጾመ ሃዋርያት ንክጸሙ ቤተክርስትያን እትእዝዞም፣

እቲ ዓለም ምቕባል ኣብያቶ፣ከም መጻእተኛ ኣብ መብልዒ ማል ዝተወልደ ሰማያዊ ንጉስ፣ሕጂ ግን ልበይ መብልዒ ማል ክኾነካ ንዓ ተወለድ ኢሎም ኩሎም ህዝበ ክርስትያን ልቦም መታን ክቕደሰሎም ኽጸምዎ ቤተክርስትያን ትእውጀሎም።ኣብቲ ኣብ መብልዒ ማል ዝተወልደሉ ዘመን፣እቶም እንስሳታት ኣብ መብልዒኦም ስለዝተወልደ፣ብልዒ ኣቃሪጾም፣ብትንፋሶም የምቕዎ ነይሮም።ክርስትያን ድማ ኣነ ካብ እንስሳታት ይበልጸካ ኢየሞ፣ኦ ንጉሰይ እቶም ምእንተኦም ኢልካ ዘይተወለድካሎም እንስሳታት ተኣዚዞም ካብ ኣሞቑኻስ፣ኣነ ደኣ እንታይ ወሪዱኒ ምእንታኻ ክብል ብልዐይ ዘይሓድግ ክብሉ፣ንፈጣሪኦም ክብሪ ብምሃብ ነታ ንፈጣሪ መሞቒ እቲኾኖ ልቦም መታን ክህብዎ ቤተክርስትያን ወትሩ ዓመት መጸ ተዘኻኽሮም።ምኽንያቱ ናይ ክርስትያን ልቢ፣ካብ መብልዒ ማል ስለትበልጽ፣ናይ ክርስትያን ነፍሲ ድማ ካብ ናይ እንስሳታት ሂዎት ስለትበልጽ።ናይ ክርስትያን ተስፋ ካብ ናይ እንስሳ ተስፋውን  ስለእትዛይድ።እቶም ክንዲ ናይ ሰብ ክብሪ ዘይብሎም እንስሳታት፣ንፈጣሪ ኣብ ልደቱ ብልዖም ኣቃርጾም ብእስትንፋሶም ኣሚቖሞ ሓዲሮም፣ናይ ክርስትያን ነፍሲ ድማ ብጾሎታውን ጾማውን መንፈሳውነታ ንክርስቶስ ከተምቖ ስለዝግበኣ ቤተክርስትያን ወትሩ ዓመት መጸ ጾመ ነብያት ንደቃ ንክጾሙ ትእውጀሎም።ነብያት ብልዒ ሓቂ፣መስተ ሓቂ መታን ክውለድ ጾይሞም፣ጋህዲ ድማ ኮይንሎም።ክርስትያን ድማ ነቲ ብልዒ ሓቅን፣መስተ ሓቅን ስለዝረኸብዎ፣ምእቲ እቲ ምስኦም ዘሎ ብልዒ ሓቂ ክብሉ፣ነቲ ሓላፊ ብልዒ ክሓድግዎ ይመርጹ።ስለዚ ኢዮም ህዝበ ክርስትያን ብፍታዎም ከም ኣቦታቶም ነብያት ነዚ ጾምዚ ናብ ብልዒ ሓቅን መስተ ሓቅን ንምስግጋር ስጋዊ ብልዕን ሓጢኣትን ብፍታዎም ዝኽልከሉ።


ጾምና ብሰላም ኣጀሚሩ ብሰላም ዘፈጸመና ኣምላኽና ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን።
ኣሜን።
ወስብሀት ለእግዚኣብሔር።
ሕቱም መጽሓፍ

mandag 31. desember 2018

ህድኣት ሃዲኣ!


በስመ ሥላሴ

ፈላለይቲ ስምዒታት፡ ሓደሽቲ ሕርኽራኻት፡ ኣጋይሽ ሓሳባት ናብ ስነ-ልቦና ክኣትዉ ከለዉ፡ ኣእምሮ ይርበሽ፡ ሕልና ይስነፍ፡ እምነት ይልሕልሕ፡ ምግባረ-ሃይማኖት ይርሳዕ፡ እቲ ቀረባኻ ዝኾነ እግዚአብሔር ከኣ፡ ከም ጓናኻ ኴኑ ይስምዓካ። ልብን ሕልናን፡ ሓሳብን ፍልጠትን፡ ምግባርን ሃይማኖትን እናተበኣሱ የሸግሩኻ። ልብኻ ብዝርጉሕ ኢዳ፡ ንዂሉ ፍጡር ብፍቕርን ግርህነትን ትልግስ ዝነበረት፡ ሎሚ ፍቕሪ ይኹን ህያብ ክትቅበል ዓቐብ ይኾና፡፡ ምስ ኣእላፋት ብሰላምን እፎይታን ክትነብር ዘይእግመካ ዝነበርካ ሰብ፡ ድሕሪ ዝርግርግ ግን ምስ ገዛ ርእስኻ'ኳ ምትዕራቕ ይሰኣነካ። ውሽጥኻ ብቃል ኣምላኽ ክጠልል ዝግበኦ፡ እንታእዋኑ ቃልቃል ከብለካ ይጅምር። ቃሉን ተግሳጹን ንምስምዑ ዓቐብ ይኾነካ። እንታይ ጉዱ፧ እንታይ'የ ዝኸውን ዘለኹ፧ ንምርባሸይን ምጭናቐይን መን ተሓታቲ፧ ንመን'የ ዘላግበሉ፧ ንእግዚአብሔር፧ ፍጹም!


ኣብ ውሽጠይ ርእየዮም ዘይፈልጥ፣ንኣሽቱ ዝመስሉ ግን ከኣ ፍርዝን-ፍርዝን ዝበሉ፡ ንናይ ውሽጠይ ህድኣት ዝህውኹ፣ሓደሽቲ ዝመስሉ ግን ከኣ ዘመናት ዘቕጸሩ፣ስጋዊ መንነት ዘለዎም ዝመስሉ፡ ግን ከኣ ምስ ጅማሬ  ዕድመ ናይቶም ርኹሳን መናፍስቲ ምትሕሓዝ ዘለዎም፣ ንትዕግስተይ ዝፈታትኑ ህዉኻት ኣጋይሽ ኣብ ውሽጠይ፡ብናይ ሕልናይ መነጸር የንብቦም ኣሎኹ።ቅድሚ ሕጂ ተፈሊጦምኒ ዘይፈልጡ፡ኣሻቦም ተረበጽቲ መናፍስቲ ይበቕሉኒ ኣሎዉ።ብኸመይ ከምዝኣልዮም፣ብኸመይ ከምዝሃድእ መፍትሒ ክደሊ ዝተበገስክሉ ግዜ ኣይነበረንንን።ንዒቐዮም ግዲ ኮይነስ፣ብዙሕ ግምት ኣይሃብክዎምን።ግን ድሮ ዘሰነፉኒ መሲሎም ይረኣዩኒ ኣሎዉ።ቀልጢፈ ቁጥዕ-ቁጥዕ ይብል።ንዝተሓተተኒ ይኹን ንዝመጻኒ ነቔፌታ፣ ግብረ መልሲ ንምሃብን ንምምላስን ብዓይኒ ጥርጣሪ ጥራይ ክጥምት ካብ ዝጅምር ነዊሕ ግዜ ኣቚጺረ ኣሎኹ።ስመይ ህድኣት ኢዩ። ንነገራት ግን ብህድኣት ክምልከቶም ኣይተኸኣለንን።መቸስ ዝተጸዋዕክሉ ዕላማ፣ብዝተረበሸ መንፈስ ንዝርበሹ ዘለዉ ወገናት ንከህድኦም'ዩ ነይሩ።ግን እንከይሃዳእኩ ክህድእ ብምፍታነይ፣ነቶም ዝህወኹ ዘለዉ እንደገና ከምዝህወጹ ገይረዮም'የ።ናይ ምርባሽ ሓዊ ኣሳዊረ ቃል ቃል ኣቢለዮም።ሳላይ ክሃድኡ ዝግበኦም፣ብሰንከይ ክቃጸሉ ጀሚሮም።ናብ ቤት ህድኣት እንዳተመላለስኩ፣ህድኣት ቀሲመ ህድኣት ንከቐስሞም ጸጊምኒ።ዘንብቦም መጽሓፍቲ ኩላቶም ብዛዕባ ህድኣት ተንቲኖም ዘረድኡ፣ነገራት ብኸመይ ከምእትፈትሖም ዝገልጹ ህዱኣት መጽሓፍቲ ክንሶም፣ኣነ ግን ህድኣት ተማሂረ፡ኣይኮነን ክምህረሎምሲ፣ህድኣት ክለብሰሎም'ውን ኣይከኣልኩን።ካበይኮን'ዩ'ቲ ጸገም! ካብቶም መጽሓፍቲዶ ወይሲ ካባይ፧ብዙሓት ናይ ወንጌል መምሃራነይ፣መራሕተይ ኣዝዮም ህዱኣትን ትሑታትን ክንሶም፣ነዚ ባህሪ'ዚ ካብኣቶም ክወርሶ ኣይተኻእለንን።ካብ ልሳኖም ዝፍኖ ቃል፣ብዛዕባ ህድኣት'ዩ፣ልበይ ግን ተሪሩ ድዩ ፈርኪሹ ክሃድእ ኣይከኣለን።ኣቡ-ነፍሰይ፣ንናይ ነፍሰይ ህድኣት ብዘይ ምትኻስ ከምዝዓዩ እንዳፈለጥኩ፣ኣነ ግን ክሃድእ ኣይከኣልኩን።ካብ ጥቕሉልን ድምርን ናይ ከባብየይ ወትሩ ዝመሃሮ ዘለኹ ነገራት፡ ብሓፈሻ ብዛዕባ ህድኣት'ዩ። እናሻዕ  ዝኾኖ ዘለኹ ግን፡ ታህዋጽ ዝተመልአ ሕይወት ኴኑ በቃ!


እንታይ ኢዩ እቲ ጸገም፧እሞ ስመይዶ ክቕይር ነይሩኒ፡ ወይሲ ነቶም ናይ ህድኣት መምሃራነይ ክልውጦም ኣሎኒ፧ማለት ከምዚ ከማይ ህዉኻት ክገብሮም፣ኣንፈቶም ዝለወጡ ናይ ህውከት መምሃራን ገይረ ክልውጦም።እዚሞ ፈጺምካ ዘይሕሰብ'ዩ!! ከመይ ኢልካ ይከኣል፧ ኣነ ስለዝተረበሽኩኸ ከመይ ከማይ ህዉኻት ክገብሮም፧ "ቊላዕ እኮ ቁሩብ ዓቕሊ 'ተዝገብር፣ቁላዕ ኮይኑ ኣይምተወልደን" ኢሎም ይምስሉ ኣቦታት።ተሃዊኽካን ተረቢሽካንከ መፍትሒ ድዩ፧ በንጻሩስ ኩሉ ርቡሽ ነይሩ ተዝኸውን ደኣ፣ህድኣት ኣበይ ምሃለወ፣ኩሉ ህዱእ ነይሩ ተዝኸው'ውን ናይ ህድኣት መምሃራን ኣይምነበሩን።እግዚኣብሔር ብቐንዱ ህዱእ ኣምላኽ'ዩ። ኩሉ ፍጡር ህዱእ ነይሩ ተዝኸውን ደኣ፣ንምንታይ ህድኣቱ ኣድለየና።ዓለም ብቐንዳ ህድእቲ 'ተትነብር፣ ቤተክርስትያን ኣብ ዓለም ክትህሉ ኣይመድለየትን።ዋና ተልእኾ ናይ ቤተክርስትያንከ እንታይ'ዩ፧ ንዓለም ካብ ህውከት ንከትህድእ ኢሉ ፈጣሪ  ዝሰረታ ናይ ውልቁ መንፈሳዊት ኤምባሲ ኢያ።ዋይ ኣነ ህድኣት!!ደጊም ስመይዶ ክልውጥ።ነዛ ''ህድኣት'' እትብል ስመይ ክልውጣ። "ርብሽቲ" ተባሂለ ክስመ፡ ብቐሊሉ እትርበሽ።ወይሲ 'ድህልልቲ' ክስመ ህድኣት ዘየድልያ።ከመይ ኢለየ'ሞ ኣነ ከይሃዳእኩ ህዱኣት ዉሉዳት ከፍሪ ዝከኣለኒ፧ ብጭራሽ! "እንጣጢዕሲ ቀስ ኢላ ከይትበስል ክትብል ኣይንዘርኢ ኣይንኸብዲ ኮይና ተሪፋ" ይብሉ ተዛረብቲ። ኣብ ሓዊ ምስተሰኽተተት'ዛ እንጣጢዕ፡ ምቕላዋ ዘይተርፋ ስቕ ኢላ ከይትቕሎሞ፡ቀለብ ሰብ መታን ከይትኸውን ክትብል፡ነነጢራ ናብዛ ምድራ።ወዮ ኣብ ምድሪ ወዲቓኸ ክትበቁል ድያ፧ ወሪድዋ!ኣብ መሬት ድማ ከይፈረየት ትተርፍ። ኣነ ህድኣት'ውን፡ ክርስትያናዊ ትርጉም ስመይ፡ ብናይዛ ዓለም ቀለውቲ ነገራት ተቐሊኻ ቀለብ'ቶም ርሁባት ምኻን'ዩ ነይሩ ጽዉዐይ። "ንዝጸፍዓካ ጽፋዕ" ዘይኮነስ፡"ንዝጸፍዓካ ድገመኒ" በሎ ኢዩ ነይሩ ነገሩ።ድገመኒ ምኸኣል ተሲኢንካ ድማ ስቕ ኢልካ ጽፍዒትካ ምቕባል። "ኣናወጽቲ ነገራት ብተጸዋርነት ኢዮም ዝሓልፉ" ትብል ነይራ ኣደይ። ምስ ኣቦይ ኣብ ገለ-ገለ  እዋናት ዘየረዳድእ ኩነት ይኽሰት'ሞ፡ኣቦይ ንነገራት፡ካብ ብምርድዳእ ብቕልጽሙ ክፈትሖም ስለዝቐለሉ፡ብዙሕ ግዜ ብበትሪ ከም ንሓጺን ክድስቓን ኣደይ ድማ ክትበክን እንከላ ፈጺመ ኣይርስዖን'የ። ነቲ ነገር  ብትዕግስቲ ምስ ሓለፈቶ ድማ፡ ናብ ንቡር ተመሊሶም፡እረ ቡን ከሽ-ከሽ ኣቢላ፡ ጉጁም ክብሉ እንከለዉ ተትሪኦም፡ ግርም ይብለካ! ፍቕሮም ኣዝዩ'ዩ ዘቕንኣካ።ኣደይ፡ "ንኹሎም መሓለኻታት ናይ ሓዳረይ ብትዕግስቲ ተዘይሓልፎም ነይረ፡ንዓኻትኩም ኣይምወለድኩን፡ ስሳ ዓመታት ድማ ምስ ኣቦኺ ኣይምነበርኩን" ኢያ ትብለኒ ነይራ። 60 ዓመትኮ ክንዲ ክልተ ዕድመይ'ዩ።ካብኡ ዝተበገሰት ከይኮነት ኣይትተርፍን ህድኣት ኢላ ዝሰየመትኒ።ንኹላቶም መሓለኻታት ሕይወት፡ ብህድኣትን ትዕግስትን መታን ክሓልፎም ኢላ ከይኮነት ኣይትተርፍን።ኣበይሞ! ሕጂስ እንቋዕ ኣብዚ ምሳይ ኣይትህሉ፡"ነዚ ክትኮኒ ኢለ ስለዘየውጻኹልኪ ደጊም ስምኪ ቀይሪ"ምበለትኒ።


ምዃን እቶም ኣብዚ ኣዋን፡ናብ ልበይ ዝኣትዉ ዘለዉ ቃላትኮ፡ ኩላቶም ካብ ናይ ህድኣት ማዕከን ጥራይ ዝመንጨዉ ዘለዉ ኣይኮኑን።ከመይ ኢለኸ ደኣ ኣነ ኣጠቓቕማ ኣእዛነይ ከየስተኻኸልኩ፣ምስ ነፍሰይ ክማጎት ዝኽእል፧ መቸስ፣ኣእዛነይ ከምዚ ትርእይወን ሰሲዐን ግዲ ኮይነን፣ኣነ በብዘገደድክወን መሰረት፣ክልቲኡ መንፈስ፡ ማለት፣ ዓለማውን መንፈሳውን፣ርቡሽን ህዱእን፡እረ እንሓንሳእሲ፡ መንነቶም ዘይተፈልጠ በየን በየን በቒሎም ዘይፈልጦም፡ መትሓዚ ብዘየብሎም ነገራት ዝተመስርሑ ቃላት ክሰምዓ ካብ ዝጅምራ ነዊሕ ኣውቕጺረን ኢየን'ዘን የእዛነይ።ለካ ነቲ ዝተማሃርክዎ ኢየ ዝነብር ዘለኹ።ከምኡ ተዘይምሃር ነይረሞ፣ከምዚ ዘለኽዎ ኣይምኾንኩን።ዝኾኖ ዘለኹስ፣ንህውከተይ ዘበራትዑ፡ ናይ ህውከት ቃላት ብናይ ሰብነተይ መሳኹቲ እንኮላይ ብየዒንተይ፡  እናሻዕ ይሰንቕ ስለዘለኹ'የ። ይኸይድሞ፡ ካብ'ታ ህድእቲ ቤት ኣምልኣኽ፡ ናይ ህድኣት መንፈስ ይቕበል፣ናብቲ ሰጊረ ድማ፣ ካብቲ ሕንፍሽፍሻዊ ዓለም፡ ናይ ህውኰት መንፈስ ይዕንገል።ግን ዝያዳ'ቲ ህድኣታዊ መግቢ፣ነቲ ሕንፍሽፍሽ፡ ኣኻዕቢተ ስለዘዛየድክዎ፣ንሱ ስዒሩ።እወ! ርኹስ መንፈስ ዝስዕረሉ ኣጋጣሚ'ውን ለካ ኣሎ'ዩ።ርኹስ መንፈስ፣ህድኣት ኣልቦ ናይ ዝርግርግ መንፈስ፣ኣባይ ክሓድር ምሉእ ውክልና ተዘይህቦ ነይረ፣ኣባይ ህውኽ-ህውኽ ዝብል መንፈስ ኣይምሃለወን ነይሩ።ዓይነት ኣጋንንቲ ብዙሓት ኢዮም።ናይ ምርባሽ፣ናይ ዝርግርግ፣ናይ ጥርጣሬ፣ናይ ባእሲ፣ናይ ቂም-በቐል፣ናይ ጽልኢ፣ናይ ቅርሕንቲ፣ናይ ፈኸራ፣ናይ ጃህራ፣ናይ ዓሌትነት፣ናይ ንዕቀት፣ናይ ሻራ፣ናይ ስስዐ፣ናይ ምንፍቕና፣ናይ ክሕደት።እዞም ጠባያት'ዚኣቶም፡ በብሞይኦም ዝዓዩ ዓይነት ኣጋንንቲ፡ ዝጥቀምሉ ኣጽዋር ሰይጣውንቲ ኢዮም።ንሱ'ቲ ሰይጣን ነዚኣቶም ኣጸባቢቑ፣ብደገ ዝወቀበ ሽፋን ኣልቢሱ፡  ሓይሉ ዝገልጸሎም ዓይነታት ኣጽዋራቱ ኢዮም።ዕላማኦም ናይዞም ኣጽዋር፣ ናብ ሓደ ዘአንፈተ'ዩ።ናብ ክሕደት ዝወስዱ፣ ኣምላኽ የሎን ናብ ምባል መሪሖም ዝወስዱ ጎደናታት ሲኦል ኢዮም። እትውንኖ ህድኣት ዝሻመዉ ክፉኣት ሓሳባት'ዮም።


እምበኣር ወሲነ ኣሎኹ ሕጂ።ንኹሉ ኣንጻር ህድኣት ኮይኑ ዝመጻኒ ሓይሊ፣ብመስቀል ክርስቶስ ተቢዐ ክቖውም፡በቲ ዝንውንወኒ ደፋኢ ሓይሊ መታን ከይወድቕ ጨሪሰ ክጸንዕ። ብሓይለይ ዘይኮነ ብኡኡ ብእግዚኣብሔር ክምካሕ ወሲነ ኣሎኹ።እቲ ክሳብ ኣብ መስቀል ምስቃል ዝተዓገሰ፣ካብ ትዕግስቱ ከምዝመቕለኒ ይፈልጥ ኢየ።ብዙሓት ዝደፍኡኒ፣ናብቲ ናታቶም ናይ ታህዋጽ ጎዶና ክንውንዉኒ ምኻኖም ይርደኣኒ'ዩ። ግን መስቀል ክከላኸለለይ ኢዩ።ክርስቶስ ክደፍእዎ እንከለዉ ብፈጣርነቱ "ከይምንጥሉኒ፡ከይስዕሩኒ!" ኢሉ ኣይተጠራጠረን።በንጻሩ፣ብትዕግስቱ ካብ ናይ ሲኦል ምጭብርባር ክወጹ ይዓዪ ነይሩ፣ንሳቶም ብትዕቢት ከላግጽሉ እንከለዉ፣ንሱ ድማ ብትዕግስቲ ናብ ትሕትና ንኽመጹ ይቃለስ ነይሩ።ንሳቶም ክንውንዉዎ እንከለዉ፣ንሱ ድማ ካብ ናይ ሲኦል ጸድፊ ይስሕቦም ነይሩ።እሞ ኣነ ደኣ መን ኮይነ'የ ምስቶም ዝንውነዉ ዝንኖ ዘለኹ፧በቃ ክሃድእ ኢየ፣ስም ይመርሕ ጥዋፍ የብርህ እውንኮ ተባሂሉ ኢዩ።


ክርስትና ናይ ህድኣት ጎደና እምበር፣ናይ ዝርግርግ መንገዲ ኣይኮነን።ክርስትና ምስ ኣቡ-ነፍስኻ ሃዲእካ እትላዘበሉ፣ምኽሪ ኣቡ-ነፍስኻ እትሰንቀሉ፣ስግኡን ደሙን ብንስሓን ቀነኖናን ኣሰኒኻ እትቕበለሉን፡ ካብ ረበሻ እትሃድኣሉ ስፍራ እምበር፣በብዝጥዕመካ ኢድካ ናብቲ ክቡር ምስሊ እግዚኣብሔር ዝውንን ሰብ እና ኣዋጣወጥካ፣ንገዛእ-ርእስኻ ተረቢሽካ ንኻልኦት እትርብሸሉ ናይ ዕብዳን ኣዳራሽ ኣይኮነን።በሉ ኦ ወገናተይ ህድኣትናን ናይ ርግኣትና ምንጭን እግዚኣብሔር ካብ ኮነ፣ንህዳእ፣ርግእ ንበል።ኣብ ውሽጥና ዘሎ መንፈስ ኣምላኽና ካባና ከይስደድ፣ብህድኣት ኣባና ከምዝነብር ንግበሮ።ብርግጽ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልብና ኣሎ፣ግን ኣይነጒህዮ።እንተንጸርጺርና ኢዩ ዝጉሂ፣እንተተረቢሽና ኢዩ ካባና ዝስደድ፣ንሓድሕድና እንተተጻልኢና ኢዩ ዝጸልኣና።እግዚኣብሔር ዝተጻለኦ ሰብከ መን'ዩ ምስ እግዚኣብሔር ከተዓርቖ ዝኽእል፧እምበኣር ኣነ ከምታ ስመይ ክሃድእ ወሲነ ኣሎኹ።ንስኻትኩምውን ካብ ክትርበሹ፣ክትሃድኡ ይመርጸልኩም፣ካብ ክተዕገርግሩ፣ልዝብ ኢልኩም ክትሓስቡ ይምነየልኩም።


እግዚኣብሔር ኣምላኽ ህድኣቱን ትዕግስቱን ይስደደልና፡ በረኸት ናይ ቅዱሳኑ ይኽፈለና፡ ኣሜን።

ሎቱ-ስብሐት!

søndag 16. desember 2018

በእንተ ጾመ ነብያት:- 2ይ ክፋል


በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ፣


በእንተ ጾመ ነብያት፣- 2ይ ክፋል


  • ካብ ናይ ኣህዛብ መስዋእቲ ምኽልካል፣-




ኣብዚ ዘመንዚ፣መብዛሕትኡ ሰብ መስዋእቲ ኣምላኽን፣መስዋእቲ ኣጋንንትን ክፈልየሉ ናብ ዘይክእል ደረጃ እንዳበጽሐ ይኸይድ ኣሎ።እግዚኣብሔር ደቁ፣ናቱ መስዋእቲ'ምበር፣ነቲ ተጻራሪኡ ሰይጣን ተባሂሉ ዝቐረበ መስዋእቲ ክምገቡ ኣይደልን ኢዩ።ታሪኽ ደቂሰባት እንተድኣ በብሓደ ፈቲሽናዮ፣ሰብ ካብ ኣምልኾ ሓራ ወጺኡ ኣይፈልጥን 'ዩ።ሰብ ተመላኺ ናይ ምኻን ባህሪ ዘለዎ ኮይኑ ኢዩ ተፈጢሩ።ስለዚ ሰብ እቲ ዝገዝኦ ይፈላለምበር፣ካብ ተገዛኢ ምኻንስ ተፈልዩ ኣይፈልጥን ኢዩ። እቲ ሓቀኛ ገዛኢኦም ብፍታዎም መታን ክግዝእዎ ኢሉ ቃሉ ወትሩ ኣብ ልቦም ይኩሕኩሕ፣፣እቲ ሓሳዊ ገዛኢ ሰይጣን ድማ ብፍታዎም ክግዝእዎ ወትሩ ምትላሉ ኣየቃርጽን።ከምቲ ንእግዚኣብሔር ተባሂሉ ዝቐርብ በበይኑ ዓይነት መስዋእቲ ዘሎ፣ንሰይጣን ተባሂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ ድማ መሊኡ ኢዩ።ስለዚ መስዋእቲ እግዚኣብሔር ዝለመደት መንፈሳዊት ከስዐ፣ናይ ሰጣን መስዋእቲ ክትምነይ ኣይግባኣን።ስለዝኾነ ከኣ እግዚኣብሔር ንደቁ ካብዚ ክኽልከሉ ወትሩ ይነግሮም።



ዳኒ1፣8 <<ዳኒኤል ግና በቲ ብልዒ ንጉስን በቲ ዝሰትዮ ነቢትን ከይረክስ ብልቡ መደበ፣ብግዲ ብላዕ ኢሉ ከየገድዶ ድማ፣ነቲ ሓለቓ ሽማምንቲ ለመኖ።>>ዝብል ጽሑፍ ጽሒፍልና ኣሎ።እዚ ናይ እግዚኣብሔር ሰብ ዝኾነ ነብይ፣ናይቶም ነገስታት መግብን መስተን፣ንዑኡ ከምዘርክስ ስለዝፈለጠ፣ንከይበልዕ፣በንጻሩ እካ ድኣ ሓምልን ኣቕጽልትን ከምጽእሉ ከምዝለመነ ይነግር።ብሓፈሻ ናይ ኣህዛብ መስዋእቲ ክበሃል እንከሎ፣ነቲ ዝኣምንዎ ኢሎም ዘቕርብዎ ኣማሃ ከም ምኻኑ መጠን፣ካብ ዝደቐቐት ክሳብ ዝዓበየትን፣ንክርስትያን ኣይሰማምዖን ኢዩ።



ኣብ ሓዱሽ ኪዳን፣ኣብ ጅማሬ ናይ ቤተክርስትያን፣ኣብ መንጎ ሓደስቲ ኣመንትን ኣብ መንጎ ኣይሁድን ሰፊሕ ክርክር ኣጋጢሙ ነይሩ።ሓደ ካብቲ ክርክራዊ ዛዕባ ብዛዕባ ብልዒ ዝምልከት ኢዩ ነይሩ። እቶም ካብ ኣምልኾ ጣዕት ናብ እምነት ክርስትና ዝመጹ፣ንናይ ሕገ እግዚኣብሔር ሓደስቲ ስለዝነበሩ፣ንናይ ሕሉፍ ኣምልኾኦምን ንዝምገብዎ ዝምልከትን ንጹር መረዳእታ ስለዝደለዩ፣ናብቶም መራሕቶም ዝኾኑ ሃዋርያት መልእኽቲ ሰዲዶም።፣ኣይሁድ ክርስትያን ድማ፣በዚ ዝበልናኩም ተዘይከይድኩም መንግስተ እግዚኣብሔር ኣይክትኣትዉን ኢኹም ብምባል ሰፊሕ ፍልልያት ኣብ መንጎኦም ይረአ ስለዝነበረ፣ሃዋርያት ካብተን <<ንመጀመርያ ግዜ ሲኖዶሳዊ ጉባኤ ገይሮም>> ኢልና እንሰብከሉ፣ኣብዚ ሰዓትዚ ንሕቶኦም መልሲ ንምሃብ ጉባኤ ገይሮም። ብዛዕባ ስጋዊ ብልዒ ዝምልከት ድማ መልሲ ጸሓፉ።

ግብ፣15፣27-29. እንሆ ድማ ነዚ ነገርዚ ካብ ኣፎም ምእንቲ ክትሰምዕዎ ይሁዳን ሲላስን ሰዲድናልኩም ኣሎና። '' ብዘይካ እቲ ዝተገበአ ገለ ሓለፋ ጾር እካ ከይነኽብደልኩም፣ንመንፈስቅዱስን ንዓናን ተራእዩና ኣሎ።ስለዚ ንርእስኹም ንጣዖት ካብ ዝተሰወዐ መግብን፣ካብ ደምን፣ካብ ስጋ ዝሓለቐ እንስሳን ካብ ዝሙትን ተኸልከሉ።'' ካብዚ እንተ ተኸልኪልኩም ጽቡቕ ክትረኽቡ ኢኹም፣ድሓን ኩኑ። ኢሎም ኣብ ቅዱስ ሲኖዶሶም ነዚ ውሳነዚ ወሰኑ።

ሓጺር መረዳእታ፣-


ንኣብነት፣ኣህዛብ ካብ ዘቕርብዎ መስዋእቲ ሓደ፣ መንፈሳዊ ትምህርቲ ኢዩ፣፣


ክርስትያን ድማ ንኣምላኾም ንምሕጛስ ኢሎም ዘቕርብዎ መንፈሳዊ መስዋእቲ ኣሎዎም። ትምህርተ ወንጌል።ንክርስትያን ካብ ናይ ኣህዛብ ኣዝዩ ዝበለጸ መንፈሳዊ ትምህርቲ ስለዘለዎም ድማ፣ናብ ናይ ኣህዛብ መንፈሳዊ ትምህርቲ፣ማለት ንኣምልኾ ኣህዛብ ዝምልከት ንምርካብ፣ክርስትያን ከምባህቑን ከቕባሕብሑን ኣይግባእን። ናይ ክርስትያን መንፈሳዊ መርገጺኦም ንጹርን ፍሉጥን ኢዩ።ቅድስቲ ቤተክርስትያኖም ዝወሰነቶ መንፈሳዊ ውሳነ ብዘይ ነግ ፈረግ ተቐቢሎም፣ብኡኡ ክድሕኑ ምኻኖም ብእምነት ምቕባል ኢዩ።እቲ ዓብላላዊ ወሳንነት፣ናይ ብዝሒ መራሕቲ ዘይኮነስ፣ናይቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ኢዩ።እዚ ድማ ሰንሰለት ናይ ቅዱሳን ሃዋርያት ዝሓለወ፣ዘይብተኽ ናይ መንፈስ ቅዱስ ስራሕ ኢዩ።<<....ኣነ ድማ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ምሳኹም ኣሎኹ፣ማቴ28,18-19>> ከምዝብል መጽሓፍ


ኣህዛብ ዘቕርብዎ መስዋእቲ፣መዝሙርን ጸሎትን ኢዩ

ክርስትያን ድማ ካብ ናይ ኣህዛብ መዝሙር ዝበለጸ ናይ ቅዱሳን መዝሙር ስለዘለዎም፣ናይ ካልእ መዝሙር ዘይሰማዕና ኢሎም ከዕለብጡ ኣይግባኦምን።ብፍላይ ምስዚ ዝተሓሓዝ፣ደርፍን ጛይላንን ኣብ ግዜ ጾም ካልእ ንርኽሰት ዝመርሕ ናይ ሓጢኣት ጭማራን ዘይቀመስኩ ኢልካ ምዕጥይጣይ ናይ ክርስትያን ባህሪ ኣይኮነን።

ኣህዛብ ዘቕርብዎ መስዋእቲ፣ስጋዊ ብልዖት ኢዩ፡

ክርስትያን ድማ ልዕሊ ስጋዊ መግቢ ኣማናዊ ስጋ ወደሙ ናይ ክርስቶስ ስለዘሎዎም፣መስዋእቲ ናይ ኣህዛብ ዘይበላዕኩ፣ኣብ ንግደቶምን በረኸቶምን ዘይተኻፈልኩ ኢሉ፣ነቲ ክብር ስጋን ክቡር ደምን ናይ ክርስቶስ ዝተመገበ ከስዐ፣ብናይ ኣህዛብ መስዋእቲ ገይሩ ንክርስቶስ ከሳጉጎ ኣይግባእን።ቅዱስ ጳውሎስ፣እሞ መስዋእቲ ኣህዛብ ካብ ተመገብናስ፣ንክርስቶስ ነቕንኣዮዶ፧ ኢሉ ይሓትት።መቸም ክርስቶስ ናይ ኣህዛብ ብልዖት ካብ ናይ ክርስትያን መግቢ ኣብሊጽና ብምርኣይና ብርግጽ ይቀንእ ምኻኑ ርጉጽ ኢዩ፣ምኽንያቱ ንሱ ጥራይ ኣምላኽን፣ክምለኽ ዝግበኦን ምኻኑ እንዳፈለጠስ፣እቶም ደቁ ገዲፎሞ ናብ ካልእ ኣምልኾ ክኾዱ ናይ ኣምልኾኦም ተኻፈልቲ ክኾኑ እንከለዉ፣ከመይ ዘይቀንእ።እዚ ክኸውን እንከሎ ግን ኣምላኽነቱ መታን ከይወስዶ ኢሉ ኣይኮነን፣እንታይ ደኣ፣ደቁ ብምዕላዎም፣ነታ ናይ ተስፋ መንግስቱ ከምትንፈጎም ፈሊጡ ስለዝድንግጸሎም ኢዩ።


ካልእ፣ካብ ሓሊቑ፡ዝጸነሐስጋ፣ኣይትብልዑ

ኢሎም ሃዋርያት ደብዳበ ጽሒፎም።ዝሓለቐ፣ማለት፣ሕሉቕ፣ዘይተኸስተነ፣ዘይተባረኸ፣ማለት ኢዩ።ክንዮዚ ግን ክርስትያን ቀንዲ ክብህግዎ ዝግበኦም መግቢ ምድራዊ ስጋ ዘይኮነስ፣ሰማያዊ ስጋ፣ንኽሰትይዎ ዝህንጠይዎ ደም፣ድማ ምድራዊ ደም ዘይኮነስ ሰማያዊ ደም ኢዩሞ፣ነቲ ዝዓበየ ናይ ነፍሲ መግቢ ንምምጋብ ክቱር ህርፋን ክህልወና ኣብ ግዜ ጾም ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ።መብዛሕትኡ ድኻማትና ኣብ ግዜ ጾም ከነስተኻኽሎም እንተተበጊስና ዘይሕከምሉ ምኽንያት የለን።

ኮይኑ ግን፣ ክርስትያን ኣህዛብ ንዘቕርብዎ መስዋእቲ፣ ኣብ መስዋእቶም እንተድኣ ሓቢሩ፣ንሲኦልን መንግስተ ሰማያትን ሓደ ክገብረን ይቃለስ ኣሎ ማለት ኢዩ።እቲ <<እንታይ ጸገም ኣሎዎ>> ኢሉ፣ምስ ኣህዛብ ኣብ መስዋእቶም ክሓብርን፣በረኸቶም ከምባሁቕን ዝውዕል ክርስትያን፣ኣብ መንገስተ ሰማያት ኣትዩውን ናይ ሲኦል ምረት ከምዝናፍቕ ዘየማትእ ነገር ኢዩ። ካብ ናይ ሓሶት ኣምልኾኸከ እንታይ በረኸት ክርከብ፧ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣህዛብ፣እግዚኣብሔር ገለ ንስሓ ኣቲዮም ምስ ክርስትያን እንተተጸምበሩ ኢሉ ኢዩ ዕድል ናይ ዕድመ ንስሓ ዝህቦም ዘሎምበር፣ክርስትያን ምስ ኣህዛብ መታን ክተሓዋወሱ ኢሉ ኣይኮነን።ክርስትያን ኣብዛ ዓለም ምስ ኣህዛብ ተጸምቢሮም ይነብሩ እካ እንተሃለዉ፣ካብ ኣምልኾኦምን፣መንፈሳዊ ተግባራቶምን ግን ከይጽምበሩ ፈጺሞም ክውስኑ ይግባእ።ምኽንያቱ ሓቀኛ መርገጺ ናይ ክርስትያን መንፈሳውነት ኢዩ።እዚ መንፈስ እዚ ድማ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ኢዩ።

ካብኡ ወጻኢ ዘሎ ግን ሰይጣናዊ ኢዩ።<<ጸገም የብሉን ክርስቶስ ኣብ ልበይ ሒዘዮ ናብኣቶም ምስ ከድኩ ክቕድሶም ኢዩ!!>> ዝብል ክርስትያን እንተሎ ግን፣ነቲ ዘይኣምነሉን ወትሩ ክራገሞን ዝውዕል ክርስቶስ፣ <<ብሓይሊ የድሌካ ኢዩ፣ንዓ ብኡኡ ገይረ ክባርኸካ፣>> እንዳበሎ ምኻኑ ይረዳእ።እግዚኣብሔር ክባርኽ እንተኾይኑ፣ ክርስቶስ ኣብኣቶም ክነግስን ክባርኾምን ፍታዎም ክኸውን ኣሎዎ።እምበኣር፡እዚ ከይኮነ እንከሎ ሒዝካሎም ትመጽእ ዘይኮነስ፣ባዕሎም ንክርስቶስ ክባርኾም ቅድም ክኣምንዎ እንከለዉ ኢዩ።ምላልባሽ እቲ ካብቲ ናቱ መስዋቱ ክትካፈለሉ ዝደሌካ ዘሎ ሰብ ንዓኻ ይፈልጥ ይኾውን፣ንክርስቶስ ግን ኣይፈልጦን ኢዩ፣ክፈልጦ ድማ ፍቓደኛ ኣይኮነን።ንስኻ ድማ ንክርስቶስ ስለእትፈልጦ፡ብመንገድኻ እቲ ኣምላኺ ጣዖት ብክርስቶስ ዝባረኽ መሲልካ ናብቲ ናቱ መስዋእቲ ትኸይድ ኣሎኻ።እዚ ሰብዚ ግን ንዓኻ እምበር፡ንክርስቶስ ኣይፈልጦን ዩ፡ክፈልጦውን ኣይደለየን።ስለዚ መን ክፍለጠልካ ትደሊ፣ክርስቶስዶ ዋላስ ንስኻ፧ ኣብቲ መንፈሳዊ በዓል ኢሎም ዝዕድሙኻ ዘለዉኸ፣መን ዝተዓደመሉ በረኸት ክትካፈል ትደሊ፣ክርስቶስ ዝተዓደሞ መስዋእቲዶ፣ወይሲ ሰይጣን ኢዱ ዘምበረሉ መስዋእቲ፣ክርስትያን ነዚ ክፈልጥዎን፣ክስዕብዎን ከምዝግባእ ስለዝፈለጠት፣ቅድስት ቤተክርስትያን ንደቃ ካብ ናይ ኣህዛብ መስዋእቲ ከይካፈሉ ትኽልክል።

ስለዝሙት፣-

ዝሙት ጅማሬኡ ኣብ ሕልና፣ፍጻሜኡ ድማ በዞም ዝተዋህቡና ህዋሳት ኢዩ። መብዛሕትኦም ናይ ዝሙት መንገድታት ሎም ኣዝዩ ቅሉዕ እናኾኑ ይመጹ ኣሎዉ።ሕሉፍ ሓሊፉ ክርስትያን ተባሂሉ፣ንዝሙት ከም ሕጋዉ ተቆጺሩ፣ከም ናይ ኣህዛብ ኣበሃህላ፣ኣፍቃሪተይ ኢያ፣ኣፍቃርየይ ኢዩ፣ብዝል ሽፋን ሆ ኢልና ንዝሙት ከምእንለዓዓል ኮይንና ኣሎና።ንመንፈሳዊ ኣገልግሎት መጺኻ ክንስኻ፣ብዓይኒ ዝሙት ክትጠማመት ኣዝዩ ኣነዋሪ ነገር ኢዩ።ብፍላይ ድማ ክርስትያን ኮይንካ፣ዘይተዋህበካን፣ብሕጊ ዘይኣሰርካሉን ነገር፣ብሕልና፣ብግብሪ፣ብዝተፈላለየ ቅድመ ሕገ ቤተክርስትያን፡ብገዛእርስኻ ርእየት፡ ውሽጣዊ ፍትወትካ ክትድርጉሕ ክትብል ንኣምላኽ ምብዳል ኣዝዩ ንፍርዲ እግዚኣብሔር ዘቀላጥፍ ነገር ኢዩ።ሎሚ-ሎሚ፣ክርትያን ተባሂሉ፣<< ቅድሚ ዝኣገረ፣ቃል ኪዳን እንተኣሲረላስ፣ክትጠልመኒ ኢያ፣ቅድሚ ዝኣገረ እንተተመርዕየዮስ፣ክጠልመኒ ኢዩ፣>>ብዝብል ሰነፍን፣ዘይክርስትያናውን ሓሳብ ተዋሒጡ፣ጥምቀትን መርዓን ብሓደ ኮይኑ መብዛሕትኡ ክርስትያን ለሚድዎ፣ኩሎም ኣህዛብን ተጻረርቲ ቤተክርስትያንን ድማ ገሪምዎም ኣሎ።እምበኣር ሃዋርያት ኣብ ሲኖዶሶም ዘጽደቕዎ ብጥቕልሉ ቤተክርስትያን ዘይትፈቕዶ ምግባር፣ኩሉ ዝሙት ኢዩሞ፣ብጾም ክንስዕሮ፣እቶም ዝወደቕና ብጾም ክንትንስእ፣እቶም ንምትንሳኡ ዝተጸገምና ድማ ብጾም ሓይሊ እግዚኣብሔር ክንቅበል ጾም የድልየና።

ወስብሀት ለእግዚኣብሔር።
3ይ ክፍላይ ይቕጽል፣

ሕቱም መጽሓፍ።

ኣነ ግዳ ውሉድካ ንክናኣናዊት'ኳ ዝመሓርካ...

 በስመ ሥላሴ ኣብራም'ዩ ግብረይ ኣብ ካራን ምንባረይ ሃብታም'ዩ ሰፈረይ ብዘመናዊ ስራይ ኣብኡ'የ ዝወድቕ ይሃጥር ብስጋይ ሓሽከት ሓጣውእ ይበራረዩለይ ገንዘብ ሶዶም ክኸስብ ገንዘብካ ይስእኖ እናሻዕ ይንኖ...