lørdag 6. juli 2019

ኣፍቀርትና እናወሓዱ፡ ጸላእትና እንዳበዝሑ ይኸዱ ኣሎዉ!

በስመ ስላሴ!

ኣፍቀርትና እናወሓዱ፡ ጸላእትና እንዳበዝሑ ይኸዱ ኣሎዉ!

√ ጠንቁ ዘፍቅረና ሰብ ስለዝተሳእነ ኣይኮነን፡ ብሓቅን ብምሉእ ልብናን እነፍቅሮ ስለዘየብልና'ዩ።
√ ጸላእቲ ስለዝበዝሑና ኣይኮነን፡ ልብና እትጸልኦም ስለዝበዝሑ'ዩ።
√ ቁጽሪ ተጻረርትና ስለዝበዝሐ ኣይኮነን፡ ንህልኽ እንምነዮም ኣካላት ባዕልና እንዳብዛሕናዮም ንመጽእ ስለዘለና'ዩ።
√ ቃል ጸላእትና ንከይምቅር ዝገበሮ ወጥሪ፡ ልሳንና ጥዑም ቃል ንኸይተውጽእ ስለዝተሓረማ'ዩ።
√ ኩሉ ኢዱ ዘወጣውጠልና ዘሎ፡ ኣእዳውና ናብ ብዙሓት ስለዝወጣወጣ ኢየን።
√ መን ኣብ ልዕሊ መን ክፈርድ፧
√ ኩሉ ፈራዲ ተዝኸውን ዝፍረድ ምተሳእነ ነይሩ።
√ ኩሉ ተፈራዲ ተዝኸውን ድማ ዝፈርድ እምበይምሃለወን።
√ ፈጣሪ ግን ንኹሉ በብመስርዑ ገይሩ ብጥበቡ መደቦም።
√ ኣብ መንጎና ብዙሓት ዳነይቲ ኣሎዉና፡ ብዙሓት ድማ ተጸበይቲ ፍርዲ ኣሎዉ። ዓይነቶም ጥራይ ኢዩ ዝፍለ።
√ ኩሉና ፈራዶ ኣይኮንና፡ ፈራዶ ዘይክንስና ድማ፡ ብኢደ-ዋኒንና ዝፈረድናዮም ኣካላት መሊኦም'ዮም፡፡ ንሱ እዚ ዝፈረድናዮ ሰብ'ውን ክፈርደና ወይ ኣሕሊፉ ንፈራዲ ክህበና ባይህርያዊ ኢዩ።
√ እምበኣር ፍርዲ ንፈራዲ ንሃቦ። ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ንፈራድነት ዝተረቕሑ ኣካላት ኣለዉ፡ ኣብ ማሕበራዊ ዓለም ድማ ንዳንነት ዝተመደቡ ሰባት ኣለዉ። ነዚ ደረጃ'ዚ ክቕመጥዎ ዝኸኣሉ ብዘይፍላጥ እግዚኣብሔር ኣይኮነን። ንሕና ምስ'ዞም ፈራዶ'ዚኣቶም ዘይተመደቡ ኣካላት ክሳብዝኾንና ድማ፡ ኢድና ኣይነወጣውጥ፡ ኣፍና'ውን ኣይንረምጥጥ! ተኸኣልና ግን ንኹሉ ብዓይኒ ፍቕሪ እንዳጠመትና ንተሓጋገዝ፡፡ ተዘይከኣልና ድማ ልብና ጽልኢ ንኽትጭንጉዕ ኣይንደፋፍኣያ ።
√ ጠንቂ ቁጽሪ ጸላእትና እንዳበዘሐ ምምጽኡ፡ እቶም ተጻረርትና፡ ንኽጸልኡና ካልእ ብዙሕ ምክንያታት እካ እንተሃለዎም፡ ናይ ልብና ዘይምህራህ'ውን ንቅርሕንቶም ከምዝንህር ይገብሮ'ሎ።
√ ልብና ብዝጨከነትሉ ቁጽሪ ከኣ፡ ብዝሒ ጸላእትና እናዛየደ ከም ዝኸይድ ይገብሮ ።
√ ክርስትና ናይ ርህራሄ ጎደና እምበር፡ ንዕቀትን ኣሽሙርን እተርእየሉ ናይ መድረኽ ድራማ ኣይኮነን።
√ ክርስትና ንኹሉ ከም ፈጣሪ ብዓይኒ ፍቕሪ እትመዝነሉ መንፈሳዊ መነጸር'ምበር፡ ብሌላን ጉሌናን እትሕመሰሉ ናይ ዓሌታውያን ከይዲ ኣይኮነን።
√ መጽሓፍ ቅዱስ "ነቶም ዝጸልኡና ክነፍቅሮም!" ኣዚዙና፡ ንሕና ደቂ ሰባት ግን እቶም ዝጸላእናዮም ኣካላት፡ "ስለምንታይ ዘየፍቀሩና፧" ኢልና ነጉረምርም።
√ ክርስቶስ ኣምላኽና፡ ንዓና ንእንጸልኦ ሰባት ክሳብ ኣብ መስቀል ምስቃል፡ እረ ክሳብ ናብ ሲኦል ብምኻድ ፍቕሩ ገሊጹ፡ ብቃልን ብግብርን ኣርኣየና። ንሕና ደቂ ሰባት ግን እቶም ዘዋረድናዮም ሰባት ከፍቁሩና ንደሊ።
√ ኣይፋሉን! ንሕና መን ሰዓረ፡ መን በለጸ ኢልና እንተሃላለኸሉ ምኽንያት የብልናን። ልዕሊ ኩሉ እግዚኣብሔር ይበልጽ፡ ኣብ ትሕቲኡ ድማ መርዓቱ ቅድስት ቤተክርስትያን ኣላትና። ኣብኣ ኣእላፍ ቅዱሳን ምስ ቅድስት ኣዴኡ ብሕብረት ኣለዉልና።
ንሕና ኩልና፡ ንሳ እዛ ቤተክርስትያን ምስ ፈጣሪ ስለዘላለየትና፡ "ልዕሊኣ'የ!" ኢልና እንንየተሉ ዓቕሚ የብልናን። እረ ብሓጢኣት ዝዘቕበብና፡ ፍርድን ቁጥዓን እግዚኣብሔር ዝግበኣና እምበር፡ ናብ ቤቱ ክንሳጉምን ንስሙ ክንጽውዕን ዘይንበቅዕ ምኻንና ክርደኣና ኣለዎ። እዚ ተገይርና ድማ ሓጢኣትን ቁስልን ካልኦት ኣይክነድህበሉን ኢና። ሓጢኣትና ረሲዕና፡ ሓጢኣት ካልኦት ንምዕዛብ ናብ ቤቱ ንግስግስ ተሊና ግን፡ ሕማም ክንውስኽ ተዘይኮይንና፡ እንፍወሰሉ መገዲ እንዳጸበበ ክኸይድ'ዩ።
√ ናብ ሕክምና ዝኸዱ ስለስተ ዓይነት ሰባት ኣለዉ።
1) ሕሙም-ክሕከም ዝደሊ!
2) ሓጋዚ ሕሙም- ንመቕረቡ ናብ ሕክምና ወሲዱ ከርእዮ ዝደሊ።
3) በጻሒ- ኣብ ሕክምና ንዘሎ ብጻዩ ክርኢ ዝኸይድ።
ካብዞም ሰለስተ ዓይነት ሰባት፡ እቶም ክልተ (1ይን 2ይን) ይመሳሰሉ።(1ይ) ዝሓመመ ሰብ፡ ሕማሙ ጥራይ ስለዝረኣዮ፡ ኣብ ሕክምና ከይዱ ናይ ካልኦት ቁስሊ ረርእዩ ንክጽየን ልቡ ኣይእዝዞን'ዩ። ብኸመይ ይሓዊ ዝብል ስምዒት'ምበር፡ ናይ ካልኦት ሕማም ዘስተብህል ኣእምሮ ኣይህልዎን'ዩ።
(2ይ) እቲ ንመቕረብ ንሕክምና ከርእዮ ሒዝዎ ዝኸይድ ሰብ'ውን ሕማም ብጻዩ ከም ሕማም ገዛእ ርእሱ ቆጺሩ፡ ብጻዩ እንክቕንዞ ንሱ'ውን ስለዝቕንዞ፡ "ሓወይ ብኸመይ ይሓዊ!" ዝብል ዕላማ ተዘይኮይኑ፡ ኣብ'ቲ ሕክምና ንዘለዉ ካልኦት ሕሙማት ረርእዩ ክፍንፍንን ክጽየንን ሕልንኡ ኣይእዝዞን'ዩ።
√ (3ይ) እቲ ክበጽሕ ኢሉ ንሕክምና ዝኸይድ ሰብ ግን፡ ንዝሓመመ ብጻዩ ክርኢ ምካድ ጽቡቕ እካ እንተኾነ፡ ከባቢኡ ረርእዪ ኣፍንጭኡ ክዓብስ፡ ክጽይን ግን ይረአ። ስለዚ ኣብ ዕላማ መምጺኢኡ ጥራይ ኣተኩሮ ገይሩ ንቤቱ ክምለስ ዘለዎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ'ዩ። ፐርከስ ጥዑይ ኮይኑ ይኸይድ ስለዘሎ፡ "በቶም ሕሙማት ከይልከም" ዝብል ስግኣት ክሓድሮ ዝተለምደ'ዩ። በዚ ምኽንያት ድማ፡ ዋላ እካ ኣብ'ታ ብጻዩ ዘለዋ ክፍሊ ኮይኖም ብቑስሊ ኣዝዮም ፈጀቕ-ጀቕ ዝበሉ ሰባት ረርእዩ፡ ከይጽየን ትዕግስቲ እንተገበረ፡ ካብ'ቲ ሕክምና ክወጽእ እንከሎ ግን፡ ካልእ ሕሙም እንክርኢ ከይጨንዎ ኢሉ ኣፍንጭኡ ክዓብስ ባህርያዊ'ዩ።
√ እምበኣረከስ ቤተክርስትያን'ውን ሕክምና'ያ። ናብኣ ዝመጹ ኣካላት ድማ ሓጥኣን ምኻኖም ፈሊጦም ክሕከሙ ዝመጹ እምበር፡ ንሕሙማትን ብሓጢኣት ንዝቖሰሉን ሰባት፡ ክዕዘቡ ዝመጹ ኣየድልይዋንን ኢዮም። ንዓኣ ዘድልይዋ፡ ብሓጢኣት ንዝመሽመሹ ደቃ፡ ናብ ቤተክርስትያን ሕዞምላ ዝመጹ ርህሩሃት ሓለይቲ የሕዋቶም፡ ወይ ድማ ዝሓመመ ሰብ ሕማሙ ዘኪሩ ባዕሉ ክሕከም ወትሩ ዝግስግስ ውሉድ ኢያ ትደሊ ቤተክርስትያን።
√ እምበኣር ብመንገድና ኣብ ቤተክርስትያን መጺኦም ዝተሓከሙ ኣካላት ክሳብ ዘየጥረና፡ ብውሕዱ ሓጢኣት ሓድሕድና ዘይኮነስ፡ ሓጢኣት ገዛእ ርእስና እንዳዘከርና ናብ'ዛ መንፈሳዊ ሕምና ንክንሕከም ንገስግስ። ሓጢኣት ካልኦት ርኢኻ ንምጽያን ተኾይኑ ምምጻእና ግን፡ ከይተፈወስናን ሕማም ወሲኽናን ኢና ንቤትና ክንምለስ።
√ ቤተክርስትያን ድማ ነቲ ክሕከም ኢሉ ዝመጸ ኣካል፡ በቲ ዘለዋ መንፈሳዊ ጸጋ ክትፍውሶ ኢያ፡፡ ነቲ ሕሙም ተመሲሉ፡ ልዕልና ቤተክርስትያን ዕሽሽ ብምባል፡ ነቶም ንፍወሳ ዝቐረቡ ደቃ፡ መመሊሱ ክብክሎም ኢሉ ዝመጸ ድማ በቶም ሰማያውያን የዒንታ መምያ፡ በቲ ዝተዋህበቶ መለኮታዊ ስልጣና ገይራ ቆሪጻ ክትድርብዮ ኢያ።
" " ዛቲ ይእቲ ምዕራፍየ፡ ለ ዓለም ፡እስመ ሐረይክዋ ዘየ አኅድር ለዓለም!"
ወስብሐት ለእግዚኣብሔር!
ሕቱም-መጽሓፍ

tirsdag 4. juni 2019

ኩሉ ፍቑድ፡ ምርጫ ግን ናትና!



በስመ ስላሴ!
ኩሉ ፍቑድ፡ ምርጫ ግን ናትና!
√ ድላይካ ምረጽ ተባሂልና እምበር፡ "ዘዝመረጽክሞ ከጽድቐኩም'ዩ" ኣይተባሃልናን።
√ "ኢድካ ኣብ ዝመእምኣካ የእትዎ" ኢሉና'ምበር፡ "ክልቲኡ ሓጢኣይኮነን" ኣይበለናን።
√ ሰብ ከም ቃሕ ዝበሎ፡ ብፍቓዱ ክነብር ዘየመልክዓሉ ክንሱ ፈጣሪ ግን ናጻ ፍቓድ ሂብዎ ይርከብ።
√ ሰብ ስለዲሞክራሲ ስለመሰል ሰብ ብዙሕ ግዜ ክዛረብ ይስማዕ'ዩ፡ ግን ኮራብሽን ዘይገብር ሰብ ከኣ ፈጺምካ የለን። ብፍጽምቲ ሓቀኛ ዲሞክራስያዊ ኣገዛዝእ ዝገዝእ ግን እግዚኣብሔር ጥራይ'ዩ።
ሓጺር መረዳእታ ብዛዕባ ናጻ ፍቓድ ሰብ፡
√ ሰብ ክውለድ እንከሎ፡ ንዑኡ ንሰብ ንምስራሕ ተባሂሉ ዝተኸናወነ ነገራት ኩሉ ብምርጭኡ፡ "ከምዚ ይሕሸኒ፡" ኢሉ መሪጹ ዘምጽኦም ኣይኮኑን። ከይፈለጠን ብዘይፍታዉን ደኣ ናብዛ ዓለም መጸ፡፡ እቲ ዝሰርሖ ፈጣሪ ድማ በንጻሩ፡ባዕሉ ንሰብ ሰሪሕዎ ከብቅዕ፡ ከም ባዕሉ ዝተሰርሐ ንብረት፡ ከም ደስ ዝበሎ ክነብር ፍቓድ ሂብዎ። ከም ሓደ ዝተሰርሐ ኣቕሓስ፡ ምሉእ ፍቓድ ናይ ህላዌኡ ካብ ዋንኡ ክቕበል እንከሎ ማለት'ዩ። መቸም ሓንቲ ዝሰራሕካያ ንብረት ኣብ ድላያ ክትቕመጥ ስልጣን ኣይትህባን ኢኻ። ኣይኮነን ንንብረትሲ፡ ንእንሲሳ እካ "ድላያ ትግበር" ኣይትብላን። እግዚኣብሔር ግን ባዕሉ ዝሰርሖም ንብረቱ ክንስና ከም ማዕሪኡ ኣብ ሕይወትናን ሞትናን ናጻ ፍቓድን ሓላፍነትን ሂቢና ይርከብ።
√ ኣዳም ዝተፈጥረ፡ ንምፍጣሩ ባዕሉ ብዘቕረቦ ጥርዓን ኣይኮነን፡ ወይ ኣማኻሪ ኮይኑ ንፈጣሪኡ ብዛዕባ ተፈጥርኡን ኣፈጣጥርኡን ዝገበሮ ኣበርክቶ ዋላ ቅንጣብ ትኹን ሓገዝ የለን። ፈጣሪ ግን ነቲ ባዕሉ ብፍቓዱ ዝፈጠሮ ኣዳም፡ ምሉእ ፍቓድ ሂቡ፡ "ካብዚኣ ከይትበልዕ፡ ተበልዒኻ ግን ክትመዉት ኢኻ" ብምባል ናይ ምብላዕን ዘይምብላዕን ክልቲኣዊ ደሞዘን ብምኽሪ መልክዕ ገይሩ ሓበሮ።
√ ስለዚ ንሕና ፍቓዱ ንምምላእ እንተነበርና ይሕጎሰልና፡ ዓስቢ ድማ ንቕበል፡፡ ፍቓዱ ብፍቓድና ንምጥምዛዝን፡ ንዑኡ ንዘይምእዛዝንን እንተተቓለስና ግን ናጽነት እካ እንተሃለወና፡ እግዚኣብሔር ክሳብ ዘይተሓጎሰሉ ደሞዝ ናይ ዘይምእዛዝና ከምንቕበል ርጉጽ'ዩ።
√ ሓሰማ ተሓሲምናያ ዘይኮንናስ ፈጣሪ'ዩ ንኸይንበልዓ ኣዚዙና። ስለምንታይ ከምኡ ኢሉ ኣዘዘ፡ ንዑኡ ይምልከት! ልዕሊ እቲ ንሕና ኣብ ሰብነትና እንገብሮ ሓልዮት፡ ልዕሊ ዕጽፍታትና ንሱ ከምዝሓልየልና ግን ንኣምን።
√ ስጋ በቕሊ ፈንፊናዮ ዘይኮንናስ ንፈጣሪ ከነሐጉሶ ስለዝደለና ኢና።
√ ስጋ ኣንጭዋ ስግድ-ግድ ስለዝብለና ዘይኮነስ ፈጣሪና' ዩ "ኣይትደልይዎን ኣይጠቕመኩምን ኢዩ፡" ኢሉና።
√ "እነገሊኦም በሊዖሞ፡" ኢልና ኣይንበልዕን፡ እነገሊኦም ጸሊኦሞ ኢልና'ውን ኣይንጸልእን። ንፈጣሪ ከነሐጉስ ግን ኩሉ ዘዝበለና ንምግባሩ ንጽዕት ኣለና። ሰብ ገይርዎ ኢልና ዘይኮንናስ፡ እግዚኣብሔር ገይርዎ ኢልና ኣሰሩ ክንክተል ንጽዕር።
√ "ገሊኦም ስጋ ገበል በሊዖም" ኢልና ኣይንረግሞምን፡ ንሕና ስለዝተሓረምናዮ ድማ መንግስተ ሰማያት ዝወረስና መሲልና ብትዕቢት ኣይንውጥረናን። ዓስቢ ከምዘሎ ግን ኣይንስሕቶን።
√ ቤተክርስትያን ዝበለትና ኩሉ ከነተግብር ንጽዕት፡ ንሳ እትጸልኦ ዘበለ ድማ ንጸልእ። ንሳ እንተኸልኪላ፡ ንሕና ንኽልከል፡ ንሳ እንተፈቒዳ ድማ ፍቓዳ ንመልእ።
√ እግዚኣብሔር ንቤተክርስትያን ኩሉ ዘድሊ ምግባረ ጽድቂ ምሂሩዋ'ዩ፡ ንሳ'ውን ከከም ዓቕምና በብዝከኣላ መዳይ፡ ካብ ፍልጠታ ትዕድለና ኣላ። እሞ ዘይለበመ እንተሎ ናብ ቤተክርስትያን ይምጻእ እምበር፡ ዝለበመ መሲልዎ ንቤተክርስትያን ከለብማ ኢሉ ኣይምጻእ።
√ ማለት ማንም ሰብ ሓሳቡ ክሳኻዓሉ ኢሉ ንሓሳብ ቤተክርስትያን ክለዋውትጥ ከይሕልን። ስጋ ሓሰማ "ይጠቕመኒ'ዩ" ኢሉ ክበልዕ ዝደለየ ሰብ ይብላዕ፡ ንቤተክርስትያን ግን "ብልዑ ኢልኪ ፍቐድልና" ብምባል ክሓባብላ ኣይፈትን።
√ ንዓና ዘድልየና ኩሉ ልዕሌና ንሱ ፈጣሪና ይፈልጠልና'ዩ፡ ቤተክርስትያን ድማ እዚ ሓበሬታ'ዚ ብምሉኡ ካብ ኦሪት ክሳብ ሓዲሳት፡ እንኮላይ ብተውፊታት ኣብ ሕጋ ስፉር ኢዩ።
√ ንቤተክርስትያን "ስጋ ሓሰማ፡ ስጋ ኣንጭዋ ክንበልዕ ፍቐድልና!" ዝብል ምሕጽንታስ፡ ከመይ ዝበለ ድፍረት'ዩ። ስጋወደሙ ናይ ክርስቶስ ዝቐመሰ ከርሲኸ ወደይ፡ ስጋ ሓሰማ ስጋ ገበል ከተእትወሉ፡ ከመይ እቲ ከርሲ ክሰማምዖ ይኽእል፧
√ ልክዕ'ዩ፡ እግዚኣብሔር "ንኹሉ ቀዲስዎ ኢዩ" ተባሂሉ ተጻሒፍልና ኣሎ። ነገር ግን ክርስቶስ ንሓሰማ ከንጽሕ ኢሉ ከምዘይመጸ ንፈልጥ ኢና። ንገበል፡ ንተመን ንኣራዊት ከንጽሖምን ክሓጽቦምን ኢሉ ኣይኮነን ደሙ ኣፍሲሱ። ንሳቶም ሲኦል ኣይሰማምዕም፡ መንግስተሰማይ ኣይምልከቶም። እግዚኣብሔር ክፈጥሮም እንከሎ ከምዘይተጋገየን፡ ክፈጥር እንከሎ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ስርሑ ሕጉስ ከምዝነበረን ግን ንኣምን። ቀንዲ ዕላማ ናብዛ ዓለም መምጺእኡ፡ ንሰብ ንምድሓን እምበር ንእንሲሳ ተስፋ መንግስተ ሰማያት ንምእታው ኣይኮነን።ብሕጂ እንጽበዮ ተስፋ ምጽኣቱ'ዉን፡ ንሰብ ንምፍራድ እምበር፡ ዓስቢ ዝወስዱን ዓስቢ ዝንፈጉን እንሲሳታት ክፈላሊ ኢሉ ኣይኮነን ክመጽእ።
√ ኣንታ ክቡር ሓወይ! ሐራይ፡ ሓሰማስ " ሕጂ ነጺሓ'ያሞ ንብልዓያ" በልካ፡ ላምከ ጻድቕ ነይራ ማለት ድዩ፧ዶስ ርኽስቲ እንከላ ኢያ ትብላዕ ነይራ፧
√ ኩሉስ ነጺሑ በልኩምና፡ ጤለ-በጊዕ ግን ሓጢኣት ኣይሓለፎምን ጸኒሑ ማለት ድዩ፧
√ ዶስ ዝሓጥኡን ዘይሓጥኡ ስለዝነበሩ ኢዮም፧
√ ኦይ ኣንቱም ሰባት፡ እግዚኣብሔር ንሰብ ንምድሓን ሰብ ኮነ እምበር፡ ንእንሲሳ ንምንጻሕ ደሙ ኣየፍሰሰን። ምላልባሽ ቅዱስ ስጋኡን፡ ክቡር ደሙን፡ ንኩሉ ክባርኽ እጃም ዘይነበሮ ኣይኮነን። ከምቲ ክፈጥር እንከሎ ቅልጽሙ ኣብ ኩሉ ፍጥረቱ ዋንነት ዘለዋ፡ ደሙ ክፈሲስ እንከሎ'ውን፡ እቲ ናትና ካባና ዝተወስደ ስጋ፡ ኣብ ኩሉ ፍጥረት፡ ፈጣርያዊ ዋንነት ብተዋህዶ ስልጣን ረኸበ። ስለዚ እቲ ዝፈስስ ዝነበረ ደም ናይ ፈጣሪ ደም'ዩ፡ እቲ ዝተቖርሰ ስጋ ድማ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ፍጥረት ስልጣን ዘለዎ ኢዩ። ዋና ነገሩ ግን ንሰብ መንግስተ ሰማያት ንከአቱ እምበር፡ ነቶም ተስፋ መንግስቱ ዘይምልከቶም ፍጥረቱ ኢሉ ኣይኮነን ፈጣሪ ዝደመየ።
√ እንሲሳኸ መንግስሰማይ'ዶ ይወርስ'ዩ፧
√ ኣይፋልን፡ ንሳቶምሲ ይሓልፉ እምበር ኣይወርሱን'ባ።
√ እሞ "ኩሉ ብክርስቶስ ነጺሑ'ዩ" ዝብል ምኽኒት ከም ኣምጻኹምልና ደኣ፡ ልዕሊ ማንም ሰብ ብደም ክርስቶስ ነጺሑ ኢዩ'ሞ፡ ስጋ ሰብ ውን ብልዑ በሉና፡ ሓደ ኣፉ ሓቢርና ስጋ ሓድሕድና ክንበልዕ ማለት'ዩ።
√ እረ "ልዕሊ ኹሉ ዝነጸሐ" ተባሂሉ ዝንገር ክነግረኩም፡ ሓደ ብንስሓ ተሓጺቡ፡ብቅዱስ ቁርባን ዝተሓትመ ሰብ'ዩ። እሞ ነዚኸ ብስጋ ዓሪፉ ምስ ጸንሓና፡ "ክርስቶስ ኣንጺሕዎ ኢዩ" ኢልናዶ ንብልዓዮ፧
√ እዝጊ ኦ፡ ለቱ ስብሐት! ንስኻትኩም ደለኹም ግበሩ እምበር ንሕናስ ኣይንውዕሎን። ተተኸኣለና ድማ ክኒኡ ሓሊፍና ካብ ምሕማይን ንሰብ ካብ ምቁንጻብን ክንቆጠብ ንቃለስ እምበር፡ "ነጺሑ'ዩ" ኢልናስ ስጋ ሰብ ኣይንበልዕን።
√ ስጋ ሓሰማ ዝለመደ ከስዐ ግን ስጋ ሰብ ንኸይበልዕ ምኽንያት ኣይረክብን።
√ እምበኣረከስ ኣይፋሉን! ኩሉ እካ ብደም ክርስቶስ እንተተሓጽበ፡ ንሰብ ዝጠቕሞን ዘይጠቕሞን ነገራት ግን ኣሎ።
√ ንሕና "ቤተክርስትያን ነዞም ዝብልዑን ዘይብልዑን፡" ኢላ ዝፈለየቶም ብልዕታት፡ "ስለምንታይ'ዩ፡ እንታይ'ዩ መልእኽቶም!" ንምፍላጥ ተኾይኑ፡ ብትሕትና ደኣ ክንሓታ የምሕረልና እምበር፡  ካብ ቤተክርስትያን ዝተወለድካ ሰብ ክንስኻ፡ ልዕሊ ቤተክርስትያን ዝኾንካ መሲልካ ንሕጋ ክትቅይር ምህቃን ድፍረት'ዩ። 
√ ምላልባሽ ቤተክርስትያን ግን ነዞም ናይ ስጋ ብልዕታት ርኽሰት ሒዞም ስለዝተፈጥሩ ወይ ድማ፡ እግዚኣብሔር ክፈጥሮም እንከሎ ተጋግዩ ስለዝፈጠሮም ኣይኮነትን ዝኸልከለትና። ንዓና ስለዘየድልዩና ኢዮም። እግዚኣብሔር "እዚኣቶም ንዓኻትኩም ርኹሳት ይኹኑኹም፡ ኣየድሊኹምን ኢዮም።" ኢሉና ኣሎ። ንዑኡ ንሰራሒኦም ግን ተጋግዩ ዝፈጠሮም ክሳብ ዘይኮኑ፡ ዘጣዕስዎ ኣይኮኑን "ኣይፋሉን የድልዩና ኢዮም" ኢልካ ብህልኽ ምትንሳእ ግን፡ ንእግዚኣብሔር ክትእርሞን ከተማኽሮን ኢድካ ምውጥዋጥ ኢዩ።
√ ኦ ህዝበ ክርስትያን ተኾነ፡ ስጋዊ ብልዒ ኣብ መንግስተ ሰማይ ስለዘየብጽሕ፡ ህይወትና ብትሕርምቲ ተሕለፍናዮ ይምረጽ። ፐርከስ እዚ እንሃርፎን ልዕሊ መጠን እንብህጎን ብልዒ፡ ገና መንግስተ ሰማይ ከየብጸሐ፡ እረ ድሕሪ ዝተወሰነ ሰዓታት ቀልቀል ኮይኑ ብምኻድ፡ ኮንትነት ስጋዊ መግቢ ባዕሉ ኣፍ ኣውጺኡ ገና ካብ ቁልዕነትና ኣትሒዙ እንዳመስከረልና ኢዩ። እዚ ድማ ስለቲ ሰማያዊ ብልዒ፡ ማለት ቃሉ፡ ምስጋናኡ፡ ጾም-ጾሎት፡ ምምጽዋት፡ ዕሽር ምሃብ፡ ዓቕምና ዝኾነ ትሕርምቲ ምዝውታር፡ ንስሓ ቁርባን ዓቕምና ሱባኤ፡ እዚእታት እንዳገበርና ንክርስቶስ ኣብ ልብና ከነንግሶ፡ ስለመንግስተሰማይ ቀዳምነት ሰሪዕና ክንሓስብ ኢዩ ዝግበኣና። ተዘይኮነ ግን፡ ምስ ዝተጋገዩ ኣይንጋገ፡ ስጋ ሓሰማ ክበልዑ ስለዝረኣና ንቤተክርስትያን ከምዝተጋገየት ገይርና ብምሕሳብ ኣይንዳፈራ።
√ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ናይ እግዚኣብሔር መሕደሪ ንክኸውን ደኣ ይጽዓር'ምበር፡ ፍቓድ ቤተክርስትያን ንምቅላል መሕደር ኣጋንንቲ ኣይኹን።
√ እዚ ድማ ክርስቶስ ዘይሓደራ ሰብነት፡ ሰይጣን ክካረያ ግድነት ስለዝኾነ'ዩ።
ወስብሐት ለእግዚኣብሔር!

tirsdag 28. mai 2019

ንሕና ኣብ ቤተ ክርስትያን መን ኢና?


በስመ ሥላሴ! 
ንሕና ኣብ ቤተ ክርስትያን መን ኢና?

√ ንሕና ኣብ ቤተ ክርስትያን ተምሃሮ እምበር መምሃራን ኣይኮንናን።
√ ንሕና ኣብ ቤተክርስትያን ሓጥኣን'ምበር ጻድቃን ኣይኮንናን።
√ ንሕና ንቤተክርስትያን ብጽሞና እንሰምዓን እንኣምናን እምበር፡ ከነእምናን ክንምልሰላን ኢልና ኣይንህንደድን።
√ ንጎይታና ብመንገዳ ንምህጾኖ እምበር፡ ንሳ ብመንገድና ዘይተማህጸነቶ ኢልና ኣይነዕገርግርን።
√ ኩሉ ዘለና ሃብተ መንፈሳዊ ካብኣ ተቐበልና እምበር ፡ ንዓኣ እንውስኸላ ሃብቲ ዘሎ መሲልና ምስ ልዕሊ ዓቕምና ኣይንወዳደርን። ቅንጣብ ትኹን'ውን እንውስኸላ የለን።

√ ብርግጽ በቲ ናታ ሓይሊ ብዙሓት ቲፌዞ ኣጥሪና ኢና፡ እዚ ገበን'ዩ፡ ብሕገ-ፈጣሪ ይኹን በሕገ-ተፈጥሮ'ውን የሕትት'ዩ። ስለዚ ነዞም ናትና ዝገበርናዮም ከይወዓልና ከይሓደርና ንቤተክርስትያን ነረክቦም። እምበርከስ ናታ እምበር ናትና ኣይኮኑን። ንሕና ኣብ ቅድሜኣ ባዶ ምኻንና ተረዲእና ብጸጋኣ ክንመልእ ንጽዕት'ምበር፡ ዝመለአ ሰብነት ዘለና መሲልና ካብ ሑቕፋ ስድሪ ኣይንፍተትን።
√ ንሕና ንቤተክርስትያን ንሓታን ብመልስታታ'ውን ብምሉእ ልብና ንዓግብን'እምበር፡ በቶም ንሳ ዘላለየትና መጽሓፍትን፡ ባዕላ ዝመሃረትና ሕጋጋትን ገይርና፡" ከነረድአ ፡ ክንምህራ ክንውጥራ" ክንብል ኣይንደፍርን።
√ ብሕጋ ንቕየድ እምበር፡ ብሕግና ክትቕየደልና ኢልና ኢድና ኣይነወጣውላን። "ደጊም ቅድስነኣ ፈሪሱ'ዩ" ብምባል ሰይጣን ይጻረራ ብምህላዉ ዘገርም ይመስል። ንሳ ግን ካብ ጥንቲ፡ ብሕገ ልቦና ጀሚራ ካብ ፈጣሪኣ ፈጺማ ኣይተፈልየትን። ይጻረራ ምንባሩን ክሳብ ሕጂ እረ ክሳብ ምጽኣት ካብ መንቀኝነቱ ከምዘይዓርፍን'ውን ትፈልጥ' ያ።

√ ብፍላይ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን፡ ምስቲ ዝነበረ ደጋዊ ምትእትታው ዝነበራ ተጽዕኖታትን ተጻብኦታትን ከይተሓለለት፡ ኣብ ሕገ ልቦና፡ ንለባውያን ብቕድስናኣ ኣለቢማቶም። ኣብ ፍላመ ናይ ሓዱሽ ኪዳን፡ ንድግል ማርያም ምስ ወዳ በቲ ዘየጥፈአቶ ክብራ ገይራ ኣእንጊዳቶም። ኣብ ዘመነ ምህዞን ሰንዓን ፊደላት፡ ቅድሚ'ተን ጥንታውያን ሰብ ፊደል ተሰሪዓ ብምጽናሕ፡ ነቶም መሃዝቲ ፊደል ድሕረ ምንጻፍ ሒዛ ጸንሓቶም እሞ፡ ካብቲ ናታ ድሕረ-ባይታ ተበጊሶም "ካዕብ፡ ሳልስ፡ ራብዕ፡ ኀምስ፡ ሳድስ ሳብዕ" ኢሎም ክፈላሰፉ ኣተባበዐቶም። ብግዜ ሰማእታት፡ ንጽሕቲ መዕቆቢት ደብረ-ቅዱስ ኮይና ንብዙሓት ቅዱሳን ሓቖፎቶም። ኣብ ዘመነ ቱርኪ ን 300 ዓመታት ብንጽሕናኣ ተቓሊሳ መኪታን ሰዓረቶም። ዓቕሞም ተሓለለ'ምበር ኣየፍረስዋን!ከመይ ኢሎምከ ንቅድስናኣ ክደፍርዎ፧ ኣብ ዘመነ ጥልያን ብፍጽምናኣ ክሳብ 50-60 ዓመታት ሞጊታቶም።

√ እሂ! የለዉን ድዮም እንሕበነሎም ኣብነታውያን ቅዱሳን ኣኣብ'ዚ ዝተጠቕሰ ዘመን፧ ማለት ካብዛ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን'ዚኣ ማለተይ'የ፧ መሊኦም'ባ! ኣብ ዘመነ እንግሊዝ፡ ብዶግማውን ተውፊታውን ፍጹምን ቅዱስን ዝኾነ ባህሪኣ ገይራ ንምንፍቕናዊ ሽበራኦም ረቲዓቶ'ያ። ቅድስናኣ ግን ክሳብ ሕጂ'ውን እንተኾነ ኣይተበረዘን። ን300 ዓመታት ዝኣክል " ኣብ ትሕቲ ግብጺ ስለዘይተቖረንኪ ቅድስና የብልክን" ኢሉ ፈጣሪ ኣይነቐፋን። ኣብ ዘመነ ቱርኪ ማለት'ዩ።  ን50-60 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ስለዘይነበርኪ" ኢሉ ኣመኻንዩ ፈጣሪኣን መርዓዊኣን ቅድስንኡ ኣይነፈገላን። በንጻሩ እኳ ደኣ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዘመናት፡ ካብተን ከምኣ ዝኾና ኣሐታ ዘይሰንፍ በረኸት ከምዘውሓዘት ንፈልጥ ኢና። ብዙሓት ካብቲ ዘይነጽፍ መንፈሳዊ በረኸታ ከምዝተባረኹ ዕድሜና ዝምስክሮ ሓቂ'ዩ። በረኸቶም ድማ ክሳብ ሕጂ ኣሰር ኮይኑ ብዓይንና ይረኣየና እንዳሃለወ ክንክሕዶ ኣይከኣለናን።

√ ከምኦም፡ ከምዞም ኣብ'ዚ ዘመናት'ዚ ዝተጠቕሱ ቅዱሳን፡ ብስማ ከምእንቕደስ ተስፋ ንገብር እምበር፡ ንሕና ምስዝሓከሉ ኣይንሕክልን፡፡ ብድፍረት ድማ ብልሳነ ኣጋንንቲ ገይርና ኣይንዝልፋን።
√ ንሳ ንዓና ዝቕድስ እምበር ዘጸይን ባህርይ ስለዘየብላ ኣይንጽየፋን።
√ ርግጽ'ዩ፡ ሰይጣን ንቤተክርስትያን ከምዝጽየና ንፈልጥ ኢና። ብመንገዲ ካህናት ዝወሃብ ባርኾት ከምዘይፍተዎ'ውን ይርደኣና ኢዩ። እቲ ካብ እግሪ ጳጳሳት፡ ኤጲስቆጶሳት ቆሞሳት ቀሳውስት ዝፈስስ ወሓዚ መንፈሳዊ ባርኾት ጸርጊፍዎ መታን ከይከይድ ስለዝፈርሕ'ዩ ከኣ፡ ሰይጣን ናብ ቤተክርስትያን ቀሪቡ ክብሪ ክህባ ዘይደሊ። ብማዕዶ ኮይኑ ግን በንጻሩ ንልኡኻታ ክነቕፎምን ከናሽዎምን ይብረሆ።
√ ጠንቁ እቶም ኣቦታት ስለዝበርትዕዎ ጥራይ ኣይኮነን፡፡ እዞም ልኡኻታ ኣብታ ቤተክርስትያን ምህላዎም ንዑኡ ነዚ ርኹስ መንፈስ እኹል ዘባህርር ሓይሊ ኢዩ።
ንሕና ግን ከም ቅዱሳን መልኣኽቲ ናብ ውሽጣ ክንእከብ ንፈቱ እምበር፡ ከም ኣጋንቲ ማዕዶ ማዕዶ ኣይንብልን።

√ እሞ ንሕና ሓይሊ ቤተክርስትያን ከምዘይደኸመ ንኣምንን ንምሕጸንን እምበር፡ ከም ሰይጣን ኮይንና ንክብራ ንምንሻው ልሳንናን ልቦናናን ኣሕሊፍና ንጸረ ሰናያት ኣይንህብን።
√ ተኸኣልናስ ነቲ ካብ ታተ ኣሳጉማና ኣጀሚራ ክሳብ ብደውና እንረግጽ ዘሳለየትልና በዓልቲ ውዕለትና ቤተክርስትያን ነመስግናን ንምስክረላን እምበር፡ "ረኺሳ ኢያ" ኢልና ልሳንና ኣብ መስቀል ናይ ዝተኣስሩ ኣጋንንቲ መሳርሒኦም ክትከውን ኣሕሊፍና ኣይህብን።
√ ተረኺሳኮ ናትና ቅድስና'ውን ኣይሕሰብን ዩ። ብጥምቀት ዝተቐበልናዮ ጸጋ ኣይሕሰብን። ዝተሸምናዮ ሽመት ኣይሕሰብን። ዝተማሃርማዮ ትምህርቲ ኣይሕሰቡን።እሞ ከምኡ ተኾይኑ፡ ንዮ ኣብቲ ማዕዶ ኬድና ምጥማቕ ከድልየና ዩ። ሽመትና ተዘይተሓሲቡ'ውን ከምበሓድሽ ምሻም ከድልየና'ዩ። ከመይ ኢልናኸ ረኺሳ ኢያ ኢልና ደፈርና፧ ቤተክርስትያን ግን 10 ዓመት ይኹንሲ ንሓንቲ ሰከንድ እዉን ትኹን ክብራን ቅድስናኣን ከምዘይቀነሰት ንኣምን ንእመንን እምበር፡ ብምኽሪ ድያብሎስ፡ ንድያብሎስ ከነሐጉስ ክንብል ዝሃበትና ሕሉፍ ክብርታት ኣሕሊፍና ንርኽሰት ኣይንህብን።ተኸኣልናስ ብተጋድሎኣ ንጸናናዕ፡ ብተስፋኣ ድማ ንጸንዕ'ምበር ጥሪት ከንቱ ንምርካብ ምስቶም ከንታውያን ጸላእታ ኣይንሓብርን።

√ ንሕና ኣብ ቤተክርስትያን ኣብ መስቀል እምበር፡ ኣብ ሶፋ ከምዘይምህላውና ንፈልጥ፡፡ ስለዚ መከራ ቤተክርስትያን የሕመና፡ ኣብ ውሽጣ ኮይና ድማ ንቕንዞዎ።ብትዕግስታዊ ቃንዛኣ ገይራ፡ ማዕረ'ቲ ዝተዓገስናዮ ከምትናዝዘና ድማ ንኣምን። ምቾት ቤተክርስትያን'ውን ይምችኣና'ዩ፡ ኣብ በዓላታ ከኣ ብፍሰሃ ብሐሴት ሓቢርና ምስኣ ንዝምር እምበር፡ መከራኣ "ኣሕሚሚኒ" ኢልና ኣይንጠልማን፡ ምቾታ "ጥዒሚኒ" ኢልና'ውን፡ መጋበሪ ስጋዊ ጥቕምና ኣይንገብራን።
√ ንሕና ቤተክርስትያን ኩሉ ከምዝገበረትልና ንኣምንን ነመስግንን እምበር፡ ብምሒር ስጋዊ ሲሰዐ፡ "ጥቕማ-ጥቕሚ ከም ዝተነፍገና" ኮይንና ካብ ቤተክርስትያን ኣይንሕክልን። ንዝተመነናዮ ዝሰኣንናዮ መሲልና ኣይንዝልፋን።
√ ንዝረኸብናዮ ብቕልጽምና ዘምጸናዮ መሲልናውን ንንየተሉ ዓቕሚ የብልናን።
√ ብምኽኒት ንውድሳ እምበር፡ ብምኽኒት ኣሕሊፍና ንጓና ኣይንህባን።
√ ንሕና እቲ ትማል ኣብ ቅድሚ ኣውደምህረታ" ህዝበይ መሃሩ" ኢላ ቃላ ምስ ሃበትና ዝነበረና ኮልቶፍ-ቶፍን ወታእታእን፡ ንሳ እተርእየና ዝነበረት ትዕግስትን ዓቕልን ዘዘኪርና ነመስግን'ምበር፡ ጨሪስና ሕጂ-ሕጂ ካብ ሰማይ ከም ዝወረዱ መላእክት መሲልና ልዕሊኣ ሊቅ ክንኮነላ ኣይንህቅንን።
√ከመይ ኢልናኸ ክንደፍር!

√ ስለዚ ማንም ወዲ ቤተልርስትያን፡ ንቤተክርስትያን ልዕሊኡ ምኻና ይእመን። ድያብሎስ ንዕቤታን ኣገልገልታን ክወቅስን ከናሹን ካብ ዝጅምር ነዊሕ ኣቕጺሩ'ዩ። ክንዮ'ዚ'ውን ንሱ እቲ ጸረ-ሰናያት፡ ንደቂ ቤተክርስትያንን መራሕታን ክውድሶምን፡ ዝናኦም ከም ናይ ዓለማውያን ልዕል-ልዕል ከምሎን ንጽበ ተሊና ጨሪስና ተጋጊና ኣለና። ሰይጣንሲ ተተኻእሎ'ኳ ንቤተክርስትያን ተወር ኢሉ ዝኸይድ ሰብ ከይህሉ ኢዩ ሕልሙ። እሞ ማንም ወዲ ቤተክርስትያን ውዕለቱ ክመልስ ኢሉ ናብዛ ቤት ይገስግስ እምበር፡ ደቃ ከባርር ኢሉ ከይመጽእ።
√ ደቃ ከነባርር ተኾይኑ ዕላማና ግን ኣይንምጻእ ንግደፎ፡ እምበርከስ ናይ ነፍሲ ወከፍ ዝጠፈአት በጊዕ ክርስቶስ ተሓተትቲ ምዃንና ኣይንዘንግዓዮ።
√ ይዝከረኒ ወዲ 7-9 ዓመት እንከለኹ። 1992-1993 ኣቢሉ ይኸውን ካህን ክመጽእ እንክንሪኢ እንዳጎየና እግሩ ንምስላም ንቀዳደም ምንባርና ኣጸቢቑ ይዝክትሮ'የ። ንሕና እቶም ህጻናት ዝነበርና ጥራይ ዘይኮንና'ውን፡ እንኮላይ እቶም ዓበይቲ ዝነበሩ ከይተረፈ፡ ነቶም ካህናቶም ፍጹም ክብሪ ከርእዩ እግሮም እንክሳለሙ ብዓይነይ ዝረኣኽዎ ኣጸቢቐ ዝዝክሮ'ዩ።
√ ሎሚ ንሕና ተተኸኣለና ነዚ ክብሪ'ዚ ክንዕቅቦ ንጽዕር'ምበር፡ ንዘይተበረዙ ክብርታታ ክትብርዝ ምህቃን "ናይ ለባማት ባህርይ'ዩ" ኣይንብል፡፡ በንጻሩስ ክብሪ ቤተክርስቲያንን ክብሪ መራሕታን ምብራዝ ናይ ኢኣማንያን ጠባይ ምዃኑ ንፈልጥ።

√ስለዚ ኣመንቲ ንኹን!

√ እምበኣር ንሕና፡ ቤተክርስትያን ንዝወለደቶም ክቡራት ኣካላት፡ ካብ ህጻናቶም ጀሚርካ ክሳብ ዓበይቶም ውሉዳ፡ ኣኽበርትን ኣብ ቅድሜኦም ትሕት እንብልን ክንከውን'ምበር፡ "ቅድም ንሳቶም ተዘየኽበሩና" ኢልና ብትዕቢት ክንውጠር ግቡእ ኣይኮነን። ተገበርናዮ'ውን ንርገም እምበር ኣይንምረቕን። ክርስቶስ ኣሽንካይ'ዶ ንደቁ፡ ንኹሉ ብምስሉ ዝተፈጥረ ሰብ ከነኽብሮ፡ ከነፍቅሮ ጸውዒና' ዩ፡፡ ጻውዒት ጥራይ ዘይኮነ ድማ ኣዚዝና'ዩ።
√ ንሕና ድማ ዘይከበረ እንተሎ ክብሪ ቤተክርስትያን ከነርእዮ ኢልና ሃሰው ንበል እምበር፡ ነታ ብክርስቶስ ዝኸበረት ቅድስት ቤተክርስትያን ከነዋርድ፡ "ትሕተይ ዘይተምበርከኸት ኢልና "ኢድና ከነወጣውጥ ፍጹም ድፍረት 'ዩ።
እግዚአብሔር ኣጽራረ ቤተክርስትያንን ሓይሎምን የድክመልና።
ወስብሐት ለእግዚኣብሔር

torsdag 23. mai 2019

ተልእኾና እንታይ'ዩ፧

በስመ ስላሴ።

ተልእኾና እንታይ'ዩ፧

√ተልእኾና ምስ ቤተክርስትያን ኮይንና ንመናፍቓን ንምስዓር እምበር፡ ምስ መናፍቓን ሓቢርና ንቤተክርስትያን ከነፍርስ ኣይኮነን።
√ ተልእኾና ኣብ ጎድኒ ቤተክርስትያን ኮይንና፡ ንቤተክርስትያን ልሳን ክንኮና እምበር፡ ኣብ ጎድኒ መናፍቓን ኾይንና ኣንጻራ ክንስለፍ ኣይኮነን።
√ ተልእኾና ብልዳታ ኣቲና ድምጻን ምኽራን ክንሰምዕ እምበር፡ ብሑጛኣ ተቐልቂልና ድምጽና ከነስምዓላ ኣይኮነን።
√ተልእኾና ምስ'ቶም ቤተክርስትያን እትሕጎሰሎም ኣካላት ኮይንና፡ ንጸላእታ ንምሽናፍ ክንዘርየላ እምበር፡ ምስ'ቶም ጸላእታ ዓጢቕና ናይ ተጻረርታ ዘረይቲ ክንኮውን ኣይኮነን።
√ ተልእኾና ንቤተክርስትያን ንምሕጛስ እምበር ንመናፍቓን ንምሕጛስ ኣይኮነን።
√ተልእኾና ተንኮል ኣጋንንቲ ተረዲእና ልሳን ናይ ቤተከስትያን ንምኻን እምበር፡ ልሳን ኣጋንንቲ ኮይንና ንዓኣ ንምፍራስ ኣይኮነን።
√ "ቤተ ክርስትያን ዝሕደስ ነገር ኣለዋ" ዝብሉ ኣካላት ኣለዉ፡ ቤተልርስትያን ድማ፡ "ዝሕደስ ነገር የብለይን!" ትብሎም። ስለዚ ንሕና ምስኣ ኮይንና ድምጻ ከነስምዖም እምበር፡ ምስኣቶም ኮይንና ድምጾም ክነስምዓ ቅኑዕ ኣይኮነን። ዝኾነ ይኹን ብዘየገድስ፡ ካብ ጸላእቲ ቤተክርስትያን ዝመንጨወ ነገር፡ ንቤተክርስትያን ዘቃልልን ዘፍርስን እምበር፡ ንቤተክርስትያን ዝጠቅም ገይርና ከይንሓስቦ።
√ተልእኾና ነቲ ንቤተክርስትያን ከፍርስ ዝህንደድ ዘሎ ሓይሊ ጸላኢ ንምድካም'ምበር፡ ምስኡ ተዓጢቕና ንቤተክርስትያን ንምፍንጣሕ ሆ ክትብል ቅኑዕ ኣይኮነን።
√ ተልእኾና ምስ ቤተክርስትያን ኮይንና ነቶም ዝጠፍኡ ደቃ ክንእክቦም እምበር፡ ምስቶም ጸላእታ ኮይንና ነቶም ዘለዉ ደቃ ክንብትኖም ቅኑዕ ኣይኮነን።
√ተልእኾና ነታ ካብ ጎድፍ ናይ ሓጢኣት ኣልዒላ ኣብዚ ደረጃ'ዚ ዘብጸሐትና ቤተክርስትያን፡ ውዕለታ ንምኽፋል ብዝከኣለና ክንጽዕር እምበር፡ ንዓኣ ምንም ከምዘይገበረትልና ኣደ ቆጺርና ነቲ ዘጥበወና ኣጥባታ ክንነኾስ ትኽክል ኣይኮነን።
√ ስለዚ ማንም ወዲ ቤተክርስትያን፡ ኣዴኡ ቤተክርስትያን ዝገበረትሉ ውዕለት ንምኽፋል፡ ንጸላእታ ንምሽናፍ ምስኣ ሓቢሩ ብመንፈሳዊ ሓይሊ ክቃለሶም ኣለዎ እምበር፡ ምስ ምስኣ ዘይመስሉ ኣካላት ዓጢቑ ንሳቶም ዘዝበልዎ እንዳምጸ ቁስሊ ክኾና ኣይግባእን ኢዩ። "ከቑስላ ዝኽእል ሕሱም ኣካል መን'ዩ፧" ኢልና እንተሓቲትና፡ እቲ ሕሱም ውሉዳ'ምበር፡ ሕሱም ጸላኢኣ በይኑ ነዚ ክገብር ኣይከኣሎን ኢዩ። ምላልባሽ ግን ነቲ ሕሱምን ምስኣቶም ዝሓብርን ውሉዳ፡ ሕማቕ ምኽሪ እንዳመኸረ፡ " ኣብዚ ንኸሳ፡ ኣብዚ ከሕምማ ኢዩ፡ ኣብዚ ፋሕንጭራ፡ ኣብዚ እንተተንኪፍካያ ኢያ እትህሰ!" እንዳበለ ክፉእ ምኽሪ ክመኽሮ ይኽእል። እዚ ክፉእ ምኽሪ'ዚ ድማ ሓደገኝነቱ ብቐልል ዝረአ ኣይኮነን።
ንሕና ግን ደቃ እንተደኣ ኮይንና ንዓኣ ንስመዓያ፡ ናይ ጛና ምኽሪ ይኹን ጭብጥታት ኣየድልየናን ኢዩ። ካብ ናታ ዝዓቢ ጭብጢ የለን፡ ካብ ንዓኣ ሓሊፍና'ውን እነኣምኖ ኣካል የብልናን። ንሳ ካብ ፈጣሪ ወሊዳትና፡ ንሳ'ውን ምስኡ ኣላልያትና። ሕጂ'ውን ብዘይብኣኣ ካልእ ምስ ፈጣሪ ከራኽበና ዝኽእል ኣካል የለን። ኣብኣ ዝተጠመቑ ኩሎም ውሉድ ኣምላኽ ኢዮም፡ ኣብኣ ቃል ኪዳን ዝኣሰሩ ድማ ዓራት ኣሚኖም ቅዱስ'ዩ፡፡ ካብኣ ዝወሓዘ ጸጋ ፍጹም ካብ እግዚኣብሔር ዝመጸ ጸጋ ኢዩ። እሞ ናብ እንዳጛና እነማዕድዎ ነገር የብልናን። ካብ እንዳጛና ዝወጸ ማዕዳ ኣየድልየናን'ዩ። ልዕሊ ኩሉ ንሳ ትቐርበናና፡ ንሳ'ውን ናብ ኣምላኽ ተቕርበና።
ወስብሐት ለእግዚኣብሔር።

søndag 5. mai 2019

ንመንኩም ደኣልና ክንኣምን፣ ንዓኻዶ፣ ንፈጣሪ፧


ንመንኩም ደኣልና ክንኣምን፣ ንዓኻዶ፣ ንፈጣሪ፧




ንስኻ ሓቀኛ ምኻንካ ትንግረና ኣለኻ፣ እግኣብሔር ድማ ሓጥእ ምኻንካ የረድኣና ኣሎ።ንስኻ 'ኣነ ሓቀኛ'የ'' ትብል ኣለኻ፣ እግዚኣብሔር ድማ፣ ''ንሱ ሓሳዊ ኣምስሉ'ዩ'' ይብለና ኣሎ። ንስኻ ስለጽድቅኻ ከተረድኣና ትህንደድ ኣለኻ፣ እግዚኣብሔር ድማ ሎሚ ውን እንተኾነ ክሳብ ክንድዚ ከምዝተዓገሰካ እምበር፣ ክንዲ ናይ እግዚኣብሔር ዝኣክል ጽድቂ ከምዘየብልካ፣ እረ ገና ኣብ ሱግመ ሓጢኣት ከምዘለኻ ይነግረና ኣሎ። እሞ ንመንኩም ደኣልና ክንኣምን፧ንዓኻዶ ወይሲ ንእግዚኣብሔር፧
''ሓጢኣት የብልናን'' እንተበልና፣ ንገዛእ ርእስና ንጥብር ኣሎና፣ እታ ሓቂውን ኣባና የላን። ሓጢኣትና እንተተናዘዝና ፣ ኣምላኽ እሙንን ጻድቕን ስለዝኾነ፣ ንሓጢኣትና ይቕረ ክብለልና፣ካብ ኩሉ በደልናውን ኬንጽሓና ኢዩ። ''ሓጢኣት ኣይገበርናን'' እንተበልና፣ ሓሳዊ ንገብሮ፣ ቃሉውን ኣባና የሎን። (1ዮሐ1፣8-10)''

ንሃዋርያ ዮሐንስ፣ ቤተክርስትያን ''ሓዋርያ፣ እቲ ጎይታ ኣዝዩ ዘፍቅሮ፣ ወደሞዝሙር ናይ ክርስቶስ፣ ሞት ከይጠዓመ ዝዓረገ ጻድቕ`` ዝብል ሽመት ከምዘለዎ ትኣምንን ትምስክርን።ውሉዳ ውሉደ ቤተክርስትያን ግን ብስድነት ድፍረትን፣ ``ኣነ ጻድቕየ፣ ኣነ ቅኑዕ`የ፣ ንዓይ ስምዑኒ፣ ኣነ`የ ሓቀኛ፣'' ኢሎም ዝዳፈሩን ንንስሓ መህደሚ ንምርካብ ሃሰው ዝብሉን  ውሉድ መታን ከይርከቡ'ሞ፣ ካብ መንግስቲ እግዚኣብሔር ተፈልዮም ከይነብሩ፣ ወትሩ ነፍሶም እንዳወቐሱን፣ '' ኣነ ድኹም ሓጥእ'የ፣'' እናሉ ገዛእ ርእሶም ዝወቕሱን ኣመንቲ ክህልዉዋ ትደሊ። እዚ ማለት፣ ሓጥእ ምኻንካ ተኣሚንካ ከተብቅዕ፣ ልዕሊ ሰበይ ሓቀኛ'የ በሃሊ እንተኾይንካ፣ ገና ንትዕቢትካ ብመለሳ ደኣ እምበር፣ ብንስሓ ኣይሸፈንካዮን። እግዚኣብሔር ግን ካባኻ ሓንቲ ነገር ይደሊ፣ ሓጥእ`የ እናልካ ክትነብር፣ ፐርከስ ክንድ ዝኣኸለ ጽድቂ ይሃልኻ፣ ምስ ናይ ፈጣሪኻ ዝመጣጠን ጽድቂ ግን የብልካን። ክንድ'ቲ እምባ ዝኣክል ሓቂ ይሃልኻ ኣይሃልኻ ብዘየገድስ፣ ምስ ናይ እግዚብሔር ናይ ባህርይ ሓቂ ግን ብጭራሽ ኣይዛመድን'ዩ ሓቅኻ፣ ነቲ ንስኻ ትብሎ ዘለኻ ሓቂ፣ እግዚኣብሔር ቅድሜኻ በጺሕዎ ከምዘሎ ምፍላጥ ከድልየካ ዩ። ስለዚ ምውጥዋጠ ኢድ ተዘድሊስ፣ ቅድሜኻ እግዚኣብሔር ብናይ ብይን ኢዱ ገይሩ ከዋጣውጥን ክፈርድን ምኸኣለ።እግዚኣብሔር ግን ዝደለዮ ነገር ብምህላዉ፣ ስቕ ኢሉ ተረኣኻዮስ፣ ልዕሊኡ ናይ ሓቂ ተሓላቒ ኮይንካ ክትረኣየና ትህርደግ ኣለኻ። ኣንታ ወገነይ፣ እግዚኣብሔርኮ ንጽድቅኻ ይርእዮ፣ እንታይ ክንዓብሰልካ ኢና ንዓና ስለዕብየትካ ትነግረና ዘለኻ፧

ስለዚ ጽድቅኻ ኣይትንገረና፣ ኣየድልየናንዩ'ውን፣ ምኽንያቱ፣ ''ኣነስ ሰናፍ ድየ''  ኢልና ብትዕቢት ከምእንለዓዓል ኢኻ ትገብረና ዘለኻ። ተኸኣልካስባ ኣበራትካን ድኻማታትካን ብትሕትና ንገረናሞ፣ ክንመሃረሉ። ፐርከስ ህላወ ጽድቅኻ ተጠቃምነቱ ንዓኻዩ፣ ስለጉድለታትካ ብድፍረት ምውራይ ግን ንተመኩሮ ክኾነና ተትነግረና ኣዝዩ ይጠቕመና ዩ። ካብ ጽድቅኻ ንምንጋር ብድፍረት ትለዓልሲ፣ ሓጢኣትካ ንምንጋር ተትደፍር ምበለጸ። ንእግዚኣብሔር ድማ ዳግማዊ ነብይ ዮናስ ምኾንካዮሞ፣ ኣብ ከብዲ ዓሳ፣ ቤተ ጸሎት መዳለወልካ ነይሩ። ስለኣበሳኻ ተዘይተዛረብካ'ውን፣ ''ኣበስኡ ዘይነገረና'' ኢልና ኣይነዕገርግርን። ምኽንያቱ ኩሉ ብይን ዝወሃበሉ ኣብ ቅድሚ ኩሉና ግልጺ ኮይኑ ብግህዶ ዝፍረደሉን እዋን ስለዘሎ፣ ንዑኡ ነቲ ፈራዲ ይኽበዶን ይቕለሎን።
"ኣነ ሓቀኛ'የ"፣ ኢልካ ምምዳር፣ ናይ ሓጢኣን ባህርይ'ዩ። ኣብ ግዜ ፍርዲ፣ እቶም ኣብ ጸጋሙ ዝቖሙ ሓጢኣን፣ 'ኪዱ ካባይ ረሓቑ፣ ምኽንያቱ ጠምየ ኣየብላዕኩምንን፣ ጸሚአ ኣየስተኹምንን፣ ዓሪቐ ኣይከደንኩምንን፣ ሓሚመ እግዚሔር ይምሓርካ ኣይበልኩምንን፣'` ዝብል ወቐሳ ምስ መጾም፣ ብጭራስ ከምዘይበደሉን፣ እካ ደኣ ነቲ ዝተበየነሎም ፍርዲ ይግባይ ክብሉን፣ ''ኣበይ ሓሚምካ ርኢናካ፣ ኣበይ ጠሚኻ፣ መዓስ ዓሪቕካ ርኢናካ፧'' እናሉ ስለጽድቆም ክራኸሩ ነንብብ። ንሱ እቲ ፈራዲ ክርስቶስ ግን፣ ብዘይሕብእብእ ንኹሉ ኣበሰኦም ብግህዶ የርእዮም፣ ንሓደ ካብዞም ዝሓመሙ ዘይበጻሕኩም፣ ንዝጠመየ ዘየዕንገልኩም፣ ንዝጸመአ'ውን ዘየርወኹም፣ ንዓይ ከምዝኸላእኩምኒ'የ ዝቖጽሮ፣ እናለ ይፋረዶም።

በንጻሩ ጻድቕ ሰብ ድማ፣ ክሳብ ግዜ ብርዱ፣ ምንም ግብሪ ጽድቂ ከምዘይገበረ ገና ብሕጂ ዝጎድሎ ከምዘሎ እንዳእመነ'ዩ ዝነብር። ኣብዚ ተማሳሳሊ ዘመነ ፍርዲ'ዚ፣ እቶም ጻድቃን፣'' ኣንቱም ብሩኻን፣ ንዑ ናብዚ ክቡር ዝኾነ ርስቲ ውረሱ፣'' ዝብል ምስጋና ምስተዋህቦም፣ እንታይ ኢና ገይርና ክንድዚ ምስጋና፣ መዓስ ኢና መጊብናካ፣ መዓስከ ሓሚምካስ በጺሕናካ፧'' እናሉ ነቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ግብረ ጽድቂ፣ ፈጺሞም ይዝክርዎ ከምዘይዘበሩ የረድኣና። ንሱ ግን ንኽልቲኣቶም ወገናት ነቶም ሓጢኣንን ነቶም ጻድቃንን ብግልጺ፣ ስለጽድቆም፣ ስለሓጢኣቶም ኣብ ኣደባባይ ይድርጉሓሎም።

እሞ ክቡር ሓወይ፣ ንዓና ስለጽድቅኻ ክትነግረና ኣየመልክዕን ኢዩ፣ ንዓኻውን ትዕቢት ከይኮነካ ጽቡቕ ኣይኮነን። ተሓሰብካዮኸ፣ ልዕለይ ኣምላኽ ኣሎ፣ ልዕለይ ጻድቕ ኣሎ፣ ልዕለይ ሓቀኛ ኣሎ፣ ንኹልንትናይ ዝምርምር ናይ ውሽጠይ ፈራዲ ኣሎ፣ ኢልካዶ ኣኮንካን እትኣምን፧ እንታይ ደኣሞ፣ ንርእስኻ ልዕሊ ካልኦት ጻድቕ ገይርካ ብምግላጽ፣ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ጎብለል ኬንካ  ክትረኣየና ትደሊ'ለኻ። ብኡኡ ክትምዘን ንዑኡ ናይ መዛንነት መዝነት ዘይትህቦ። ኣብዚ'ውን እንተኾነ ልዕሌኻ ክህልዉ ከምዝኽእሉስ እንታይ መርትዖ  ኣሎካ፧ ነብይ ኤልያስ፣ '' ኣነ በይነይ ኢየ ተሪፈ፣ ብዘይካይ ቅኑዕ የለን፣ ንዓይውን ክቐትሉኒ ይደልዩ ኣለዉ`ሞ፣ ብዓልኻ ውሰደኒ'' ኢሉ ንበይኑ ዓብይ ገይሩ ክሓስብን፣ ሞት ክልምንን ነንብብ። ሮሜ11፣3-4- ኣምላኽ ግን፣'' ገና ንስኻ ዘይትፈልጦም፣ ንጹሓን ንጣዖት ዘይሰገዱ ሓቀኛታት ተኸተልተይ፣ሾብዓተ ሽሕ ሰብኣይ ኣትሪፈ ኣለኹ።'' ኢሉ በይኑ ልዕሊ ሰቡ ጥራይ ንኣምላኽ ዘፍቅር ከምዘይኮነ፣ በንጻሩ እካ ድኣ ብዙሓት ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ዘለዉ፣ ካብ ነብይ ኤልያስ ግን ስዉራት ዝኾኑ ብዙሓት ጻድቃን ከምዘለዉ ኣረዲእዎ።

ስለዚ ዝኸበርካ ወገነይ፣ ነቶም ንስኻ ትኽእሎም ነገራት እንዳምጻኻ ስለዕብየትካ ኣይትንገረና፡ ብዙሕ ዘይትኽእሎም ነገራት ከምዘሎዉኸ ከመይ ትዝንግዕ'ለኻ፣ ዘይትፈልጦ ብዙሕ ኣሎ፣ ዘይበጻሕካዮ ነዊሕ ጉዕዞ ኣሎሞ፣ ትሕትናኻ ንገረና ክንመሃረሉ፣ ሓቢርና ትሕት መታን ክንብል።ጽድኻ ከተውርየልና ግን ንፈራዲኡ ክሰምዖ ይበልጽ።
ሕቱም-መጽሓፍ

torsdag 18. april 2019

ማህረምቲ ንዘይህረም

በስመ ስላሴ!
ማህረምቲ ንዘይህረም፡
ብርሃን ስጋ ሰብ ለበሰሞ ተሃርመ፡ ብርሃን ተቐንዘወ፡ ረቂቕ ደመየ፡ ኣምላኽ ተሰቕለ ገዓረ ድማ። ብማህረምቱ ማህረምትና ኣልገሰ፡ ብቃንዝኡ ቃንዛና ሓወየ፡ ብደሙ ደምና ተሓጽበ፡ ብስቕለቱ ካብ ስቕለት ወረድና። ቃንዛ ንብርሃን ኣይባህሪኡን ነይሩ፡ ምእንቲ ሰብ ክብል ግን ዝቕንዞ ስጋ ለቢሱ ተቐንዘወ። ኣምላኽ ከማና ከም ፍጡር ደም ለበስ ኣይኮነን፡ ምእንቲ ሰብ ክብል ግን ባህሪ ሰብ ለቢሱ ደመየ፡ ፈጣሪ ኣይቅንዞን'ዩ፡ ቃንዛና ከልግስ ተኾይኑ ግን ብቓንዛ ክከሓስ ነይርዎ። እዚ ድማ ብኣምላኽ ተዘይኮይኑ ብማንም ፍጡር ከልግስን ክከሓስን ዝኽእል ቃንዛ ኣይነበረን።
ስለዚ ፈጣሪ ብቓንዝኡ መታን ንቃዛና ከርሕቕ፡ እትቕንዞ ንጽሕይቲ ቅድስት ስጋ፡ ካብ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ስጋ ክወስድ ነይርዎ። ንመልአከ ገብሪኤል ልኢኹ ድማ "ኬድካ ለምና፡ ኣብ ማህጸንኪ ክሓድር፡ ስጋኺ ክለብስ፡ ንሰባት ከድሕኖም ፍታውኪ ድዩ?"
ኢሉ ፍቓዳ ክሓትት ለኣኾ። ኣብ ጅማሬኡ ድንግልናኣ ኣፍሪሱ ዝጥነስ መሲልዋ፡ ኪደቱ ንምርዳእ ስለዝኸብድ ሰፊሕ መንፈሳዊ ክርክር ምስቲ መልኣኽ ኣካየደት ድንግል።
"ትቤሎ ማርያም ለመልአክ፡ እፎኑ ይኩነኒ፡ ዝንቱ እንዘኢይአምር ብእሲ እፎኑ ይኩነኒ?" እዚ ከመይ ኢሉ ይኹን፡ ሰብኣይ ከይፈለጥኩ ከመይ ኢሉ ኣብ ማህጸነይ ክሓድር? በለቶ ድንግል። ንሱ ድማ፡ እቲ ምስጢረ ተዋህዶ፡ ብግብረ መንፈስ ቅዱስ ምኻኑ፡ ብብርሃናዊ ባህሪኡ ንዓኣ ክብራ ከይቀነሰ፡ እካ ድኣ ኣብርእሲ'ቲ ዝነበራ ክብሪ ክብሪ ወሲኹ ኣደን ድንግል ተባሂላ ከምእትጽዋዕ ገይሩ፡ ንሱ ድማ ኣምላኽን ሰብን ክኸውን ስጋና ክለብስ ምኻኑ ነገራ'ሞ፡ "ከምቲ ዝበልካዮ ይኹነለይ" ኢላ ፍቓደኝነታ ኣረጋገጸት። ኣብዚ እነሀ ኣብ ጉዳይ ድሐት ደቂ ሰብ እጃምካ ምብርካትን ተሳታፊ ምኻንን!!
በዚ ድማ ከም ቅጽበት ዓይኒ፡ ብርሃንን ስጋን ኣብ ማህጸነ ድንግል ሓደ ክኾኑ ጀመሩ። ብርሃናዊ ባህሪ ኣምላኽ ረቂቕ ስዝኾነ፡ ኣይተሓዝ ኣይዕተርን'ውን። ምእንቲ ሰብ ክብል ግን፡ ኣብ ማህጸነ ድንግል ተወሰነ፡፡ ብጨርቂ ተጠቕለለ። ኣብ ሕቕፎ ድንግል ተሓቕፈ። መምህር ክንሱ፡ ብመምሃራን ክመሃር ናብ መምህር ከደ። ብርሃን ከም ኩሉ ስርዓተ ተፈጥሮ ናይ ሰብ ዓብዩ ጎበዘ። ኣስተምሃረ፡ ብግብሪ ድማ ነቲ ዝመሃሮ ኣርኣየ፡ ጾመ፡ ጸለየ፡ ሰገደ። ኣብ ዝባነ ገልገል ብውሱን ኣካል ተወሲኑ ተወጥሐ፡ ብኢድ ኣይሁድ ተታሕዘ።
ኣይሁዳውያን "ንሕና ከም ናይ ግብጻውያን ዝረኣዩ ዝተሓዙ፡ መሪሖምና ዝኸዱ ኣማልኽቲ ስለእንደሊ፡ ኣማልኽቲ ግበረለልና!" እናሉ ንካህን ኣሮን ዘሸገሩ ኣቦታት ከምዝነበርዎም ይፈልጡ ኢዮም። ስለዚ ክርስቶስ ምእንተኦም ክብል ከም ድላዮም ኮነሎም። ዝተሓዝ ኮይኑ ብፍታዉ ኣብ ኢዶም ወደቐ፡ ሓንሳብ ናብ መጋባእያ እንሓንሳእ ድማ ናብ ፈራዲ እናሉ ብገመድ ኣሲሮም ላዕልን ታሕትን ኣበልዎ። ንሳቶም ዝሓሰብዎ፡ ሰቒሎም ከቃብጽዎ፡ ንሱ ግን ካብ ስቕለት ንኽወርዱ ይዓዪ ነይሩ። ኣየ ስራሕ ፈጣሪ!!
ብፍቓዱ ኣብ ኢዶም ከምዝኣተወ፡ "ኣነ ኢየ!" ኢሉ ምስ መለሰ፡ ሰለስተ ግዜ ናብ መሬት ጻሕ ከምዝበሉ ግን ኣሻቦም ረሲዖሞ፡፡ ዘይድፈር መልኮት ምኻኑ ዘንጊዖምስ፡ ኣብ ልዕሊኡ ጀጋኑ ክኾኑ ሃቀኑ።
ክርስቶስ ግን ብርሃን'ዩ፡ ብዘይኦፕሬሽን ኣብ ልቢ ወዲ ሰብ ኣትዩ ዘብርህ፡ ዘልኣለማዊ ሕይወት'ዩ፡ ንሞት ከም ኢምንት ዝርኢ፡ ተፈራሂ ኣምላኽ'ዩ፡ ንኹሉ ግብርታት ልቢ ኣንቢቡ ዝዳኒ፡ ፈጣሪ'ዩ፡ ብዘይብኡኡ ማንም ፍጡር፡" እገለ ፈጢርኒ" ኢሉ ዝንየተሉ ዘየለ፡ ካብ ስሉስ ቅዱስ ሓደ ኣካል ወልድ ኢዩ፡ ካብ ስላሴ ኣይንእስ ኣይዓቢ። ስሙ ይመስገን!
ነዚ ባህርዩ ንምርድኡ ሕጂ ዝተዋህበና ኣእምሮን ሕልናን ቁንጣሮ'ዩ፡ ዳሕራይ ኣብ ምጽኣቱ ግን ከም መልኣኽቲ፡ ከም ቅዱሳን ኮይንና ከም እንርእዮ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እግዚኣብሔር ኣብ ሲኦል ስዉር ረመጽ'ዩ፡ ኣብ መንግስቱ ግን ኣፍቀርቱ ብዝርድእዎ ብግህዶ ዝቕደስን ዝምስገንን ገናና ኣምላኽ'ዩ።
"ንእዚኣብሔር ሓንቲ ነገር ይልምኖ፡ ጽባቐ ገጹ ክርኢ!"
ወረስቲ መንግስቱ ክገብረና ሰናይ ፍቓዱ ይኹን።

torsdag 21. mars 2019

ምስንኻል

ምስንኻል!!

በስመ ስላሴ ነንብቦ።
ንስኻ ክትሰናኸል ከምእትኽእል ትፈልጥ ኢኻ፡ሰንኪ'ቶም ኣሰናኸልትኻ ድማ፡እግዚኣብሔር ንኣሰናኸልትኻ ከቢድ ቅጽዓት ቀሪብሎም ከምዘሎ እንከመልክት፡መጥሓን ዝተኣሰሮ ኣድጊ ንባሕሪ እንክጥሕል ንዘሎ ክብደት ኣመዛዚኑ እንክዛረብ፡ቅጽዓት ናይቶም ኣሰናኸልቲ እምበሺ ከቢድ ምኻኑ ምትንብሁ ኣጸቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ።ወገነይ እቶም ንዓኻ ዘሰናኸሉ ኣሰናኸልቲ፡ክንድዚ ዝኣክል ቅጽዓት ክቕጽዑ ምኻኖም ካብ ፈለጥካምበኣር፡ንስኻውን ኣሰናኻሊ ካብ ምኻን ተጠንቀቕ።ምኽንያቱ ንስኻ'ውን ሳግላ እካ እንተኾንካ እንተዘይተተኺልካስ ኣይክትነሓፍን ኢኻ።
ሓደ ክዝሙ ዝተቐረበ ሰብ ናብ ቤት ዝሙት ክኸድ ክብል እቲ ገዛውቲ ስለዝተደናገሮ ኣብቲ ከባቢ  ምስ በጸሐ ድንግርግር ክብል ንኣኻ ኣብኡ ኣብቲ ከባቢ ስለእትቕመጥ፡ኣብ መንገዲ ረኸበካሞ፡" ኣብዚ ከባቢ ዘላ ቤት ዝሙትሲ ኣበይ ኢያ ዘላ?" ኢሉ ሓቲቱካ ንብል።ነዚ ሰብዚ ምተሓባበርካዮዶ ወይሲ ምኸላእካዮ፧እዚ ሰብዚ ብዝሙት ዝተሰናኸለ ሰብ ኢዩ።ስለዚ ክዝሙ ብምኻኑ ከቢድ ክጽዓት ተቐሪብሉ ኣሎ።ክዝሙ ደልየሞ ተሓባበረኒ ምስበለካ ድማ፡እንተተሓባቢርካዮ፡ተሓባባሪ ዝሙት ብምኻንካ እጃም ቅጽዓትካ ክትቅበል ኢኻ።ጽባሕ ንግሆ እቲ ዘማዊ፡ብእግዚኣብሔር" ስለምንታይ ዘሚኻ" ተባሂሉ ምስተሓተተ፡" ኣነስኮ እታ ገዛ ኣይረኸብክዋን ነይረ፡ንስኻ እግዚኣብሔር ስለዝሰወርካያ ነታ ናይ ዝሙት ቤት ስኢነያ ኢየ ነይረ፡እዚ ናትካ ኣገልጋሊ ዝኾነ፡ንዝሙት ዝጽየፍ ሰብ ግን ነታ ገዛ ኣብ ጎረቤቱ ስለእትረከብ ይፈልጣ ጸኒሑ ሓቢርኒ፡ኣነ ድማ ካብ ዝሓሰብክዎ ንድሕሪት ኣይበልኩን። ተዘይሕብረኒ ግን ኣይምዘመኹን።" ኢሉ ክኸሰካ ክለዓል ኢዩ።
እሞ ወገነይ ነዚ ኣብ ሰንከልከል ዘሎ ብጻይካ፡እንተኻኣልካ ካብ ውድቀቱ ከተተንስኦ ጽዓር እምበር፡መሊሱ ክወድቕ ኣይትድፍኣዮ።ንስኻ ነቶም ንክጸድፉ ኣብ ቀረባ ዘሎዉ ስንኩፋት ሰባት፡ ስሒብካ ካብ ምጽዳፎም ክትስሕቦም እምበር፡ክትንውንዎም ኣይተጸዋዕካን።እግዚኣብሔር አእጃምኩም ክኸፍለኩም ኢዩ።ንሱ ክወድቕ ኢሉ ስለዝተሃንደደ፡ንስኻ ድማ በዚ ኣሎካ መጽደፊ ኢልካ ንኽጸድፍ ስለዝተሓባበርካዮ ክልቴኹም ንፍርዲ እግዚኣብሔር ተቓሊዕኹም ኣሎኹም። እትነሓፈሉ መገዲ ደኣ ኣናዲምበር ንጥፍኣትካ ኣይተቀላጥፍ።ፍርዲ እግዚኣብሔርኮ መዳለዊት ኣይኮነት።ኣብ ፍርዲ እግዚኣብሔር ነግ ፈረግ ዝብሃል የለንሞ፡ብሰንኪ ኣሰናኽልነትካ ብዙሓት ከይሰናኸሉስ ወትሩ ተሓሎ።ኢድ እግዚኣብሔር ነቶም ዝተሰናኸሉን ኣሰናኸልቶም ክትቀጽዕ ንዕለተ ምጽኣት ትጽበ እነሃ።ኣዳም ምስ ተሰናኸለ በይኑ ከምዘይተቐጽዐ ትፈልጥ ኢኻሞ፡ከይትሰናኸልን ከይተሰናኽል ጥንቁቕ ኩን።
እግዚኣብሔር ስለኩሉ ውዕለቱ ይመስገን።

ኣነ ግዳ ውሉድካ ንክናኣናዊት'ኳ ዝመሓርካ...

 በስመ ሥላሴ ኣብራም'ዩ ግብረይ ኣብ ካራን ምንባረይ ሃብታም'ዩ ሰፈረይ ብዘመናዊ ስራይ ኣብኡ'የ ዝወድቕ ይሃጥር ብስጋይ ሓሽከት ሓጣውእ ይበራረዩለይ ገንዘብ ሶዶም ክኸስብ ገንዘብካ ይስእኖ እናሻዕ ይንኖ...