onsdag 22. januar 2020

ተሽከርከርቲ ሓሳባት

በስመ ሥላሴ!!!

√ "ሓሳባት ይድቅሱን ይውምጨፉን'ዮም" ዝብል ስነ-መጎት ተዝልዓል፡ ርኡይቶታቶም ዘፈልፍሉ ኣሻሓት ሓሳባት ክውሕዙ ምኸኣሉ ኢለ ይሓስብ ኣነ። ሓደ-ሓደ ግዜ ኣብ ሓደ ነገር ጥራይ ትዂረት ገይርካ ንዝዕየዩ ስራሓትካ እንክትፍጽም፡ ሓሳባትካ ከምዛ ምሳኻ ዘይነጸንሑ፡  ብፍጥነት በይንኻ ራሕሪሖምኻ ናብ ካልኦም ዝዕዘርሉ ግዜ ኣሎ። ማለት ኢድካ ኣብዚ ንክትዓዪ ተቐሪባ እናሃለወት፡ሓሳባትካ ግን ንየእዳውካ በይነን ገዲፎምወን ኣብ ማይክሮ-ሰከንድት ኣብ ዘይትመልእ ናይ ቋሕ-ሰብ ግዜ፡ ተወንጪፎም ክንዮ ኣሽሓት ኪሎሜተራት እንክጎዓዙ ዘየገርም ኣይኮነን። እዚ መሚኻ ዝእመን ወይ ዝከሓድ ዘይኮነስ፡ ብዙሓት ኣካላት፡ ንብዙሕ ግዜያት ዝተዓዘብዎ መስርሕ'ዩ።  በቲ ሓደ መንጽር ድማ ንምፍትሑ ግድላት ኰይኖምኻ ዝጸንሑ ዝተጠናነጉ ነገራት፡ ሃንደበት በየን መጽዮም ዘይበልካዮም ድሩዓት ልኬቶታት ናይ ሓሳባት፡ ደበኽ ኢሎም ንሽግራትካ ንእለት ከቃልሉልካን መፍትሒታት ከምጽኡን ትርኢ'ሞ፡ "ወይለከ ኣንታ ሓሳባትሲ ይንቀሳቐሱ'ዮም ግዲ መስለኒ!" ንክትብል ትደናደን። ክፍፍል ሓሳባት ካብ ብዙሑ ብውሕዱ ብናይ ኸምዚ ዓይነት መስትያት ከፋፊልና ክንርእዮም ይከኣል'ዩ።

√ ከም ገመል ኣርባዕተ ነዋሕቲ መሓውር ዝውንኑ ሓሳባት ኣለዉ። እዞም ዓይነት ሓሳባት'ዚኣቶም ንነገራት ብዘገምታን ህድኣትን ትዕግስትን ዘከናውኑ'ዮም። " ፍጠንባ፡ ሃየ ቀልጢፍካ መጺኻ ስረጸኒ!" ኢልካዮም ከተብቅዕ ኣይቅልጥፉን፡ ከም ኣረነ ኴንካ ድማ ንድሕሪት ክትጓስሶም ኣይደልዩን። ብኡኡ መንጽር'ውን ፍጥን-ፍጥን ኢሎም ንዝመጽዎም ሓሳባት ቀልጢፎም ኣይኣትውዎምን'ዩ፡፡ ልዕሊ ዘገምታኦም ዘገም ንዝብሉ ሓሳባት ከኣ ንምጽባይ ዓቕሊ ኣይገብሩን።
¶ ጽቡቕ ነገራቶም ግን፡ ከም ከስዐ ገመል ብዙሕ ዓይነታት ምስጢራት ክዓቕሩ ዝኽእሉ ብምዃኖም ጥራይ ዘይኮነስ፡ በንጻሩ ምስ ግዝፎም ተነጻጺሩ ዝጒሕፍዎ ሕማቕ ሓሳባት፡ ብቚጽሪ ኣዝዩ ንሽቶ ከም ዓኾራ ምዃኑ'ዩ። በቲ ካልእ ገጽ'ውን ንዝመጽእዎም ተጋራጨውቲ ሓሳባት፡ እቲ ዓቕሎም ከይጸንፈፉ ብትዕግስቲ ዝኸፍልዎ ዓቢ ሚዛን ተጻዋርነቶም፡ ክሳብ፡ ተዓሚቶም ንምሉእ መዓልቲ ዓሰራ ከኺዱ'ኳ እንተወዓሉ፡ ብዓቕሊ ጸሓዮም ዘዕርቡ ብምኻኖም ኣድኒቕካ ምጽጋብ ትስእኖም።

√ ከም ኢራብ ኣርባዕትር ቀጠንትን በረርትን ቀረንቀራ ዝመስላ መሓውር ዝውንኑ ሓሳባት ድማ ኣለዉ። ካብ ምሒር ምብህራሮምን ፍርሕን ዝተላዕለ ንዂሉ ከም ኣራዊትን ተባላዕን ገይሮም ስለዝሓስብዎ፡ ኣሽንባይ ብዓውታስ ብሕሹኽታ እኳ እንከይጸዋዕካዮም፡ ብዓውታ "ዎሆይይ!!" ኢሎም ዘድህዩ'ዮም፡፡ ብሓንቲ ግልጽታ ስለዝጠመትካዮም ጥራይ'ውን፡ ውሻጠኦም ዝርንዛሕ ትርግታታት ዝዝዕግ ዓይነታት ሓሳባት'ዮም። ናይ'ዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ዓይነት ሓሳባት፡ ካብ ምሒር ምብህራሮም ዝተላዕለ ሓሲቦም ግብረ-መልሲ ንኸይህቡ፡ ፍርሕን ስግኣትን ስለዝውሕጦም፡ ኣስተርሕዮም ብርእሰ ተኣማማንነት ዝነበርሉ ዕድመ ዳርጋ ክቑጸር ይከኣል'ዩ።
¶ ጽቡቕ ገጻት ዘየብሎም ግን ኣይኰኑን። እቲ ፈጠን-ፈጠን ዝብል ባህራሪ ጠባያቶምም፡ ይኹም ኣይኹን ብዘየገድስ፡ ቀልጢፍካ ግብረ መልሲ ንምሃብ ይጥቀምሉ ምዃኖም ንኽትግረም ይድርኸካ።

√ ብሰማይ ሰማይ ከም ዝበሩ ሃመማ፡ ግን ከኣ መዕለቢኦም ከይፈለጡ ዝዓልቡ ዓይነት ሓሳባት ድማ ኣለዉ። እዞም ዓይነት ሓሳባት'ዚኣቶም ከይፈተኻ ወጢጦም ናብ ዘይትደልዮ ዝወስዱኻ ነፈርቲ ሓሳባት'ዮም። "ኲሉ ናብ ዕንበባ ነፊሩ ዝዓልብ መዓር ዘውጽእ ንህቢ ኣይኰነን"፡ ዝብል ቅኑዕ ኣበሃህላ ነዞም ዓይነታት ሓሳባት'ዚኣቶም ዝምጥን ይመስል። ካብ ዘለኻዮ መዝሒቖም ብምውሳድ ወጢጦምኻ ይበሩ፡ ኣበይ ከምትዓልብ ግን ኣየረድኡኻን። እቲ ኣዝዩ ሓደገኛን ዘገርምን ጎድንታት ናይ'ዞም ዓይነታት ሓሳባት'ዚኣቶም፡ ክሳብ ዘዕልቡኻ ዘይነግሩኻ ምዃኖም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ምስ ኣዕለቡኻ'ውን እንተኾነ ከም ኣብ ጸባ ዝዓለበ ሃመማ ንምውጻእኻ ግድኻ ዘይገብሩ ብምዃኖም'ዩ።
¶ ጽቡቕ ነገራቶም ግን ኣኻሊ ደኣ ኣይኮነን'ምበር፡ መንፈርፈር ወኒኖም ዝበሩ፡ ላዕሊ ላዕሊ ከምትሓስብ ዝገብሩ ምዃኖም ይምስገኑ።

√ መሓውር ኣልቦ ብበጠ-በጥ ዝኸዱ ዓይነት ተመን ዘለዎም ሓሳባት ድማ ኣለዉ። እቲ ዘገርም ጠባያት ናይ'ዞም ዓይነት ሓሳባት'ዚኣቶም፡ እቲ ካብ መሬት ከይተንሳእካ ብድቅሶም ምንባሮም ዘይኮነስ፡ ብበጠ-በጥ እናኸዱ፡ ክሳብ ሰማይ ዝበጽሐ ዝተጠናነገ ቶንኰላት ግን ክፍሕሱ ምኽኣሎም'ዩ።  ብማዕዶ እንክትርእዮም መሬት-መሬት ዝኸዱ ይመስሉ፡፡ ሓደ " እዚኦምሲ ኣየረኻኽቡለይን'ዮም!" ኢሉ ሸናዕ እናበለ ዘሳጒም ሓሳብ፡ ገና ሓንቲ ስጒሚ ከይተበገሰ እንከሎ፡ ንሳቶም'ዞም ዓይነታት ሓሳባት'ዚኣቶም ግና ብፊሑኽ-ፊሑኽ ሓሊፎም ብምጽናሕ፡ ንመንገዱ ተንኰላት ጠናኒጎም መሕለፊ ከምዝስእን ይገብርዎ። ነዞም ዓይነታት ሓሳባት'ዚኣቶም ዝስዕር ሓሳብ እንተሎ መቸም፡ እንተተናእደ ይውሕዶ'ምበር ዝበዝሖ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ "እሮማይ ሕጅስ ከም ቆርበት ደሪቖም ትኽ ኢሎም'ዮም!"እናበልካዮም ይለዋወዩ፡ "ተሓላሊኾም ደጊም ቀጥ ክብሉ ኣይልእሉን!" እንክትብሎም ድማ ኣሻቡ ኣብ ቋሕ-ሰም ዘይመልእ ግዜ ሰጥ-ለበጥ ብምባል ቅኑዓት መሲሎም ይረኣዩ። ካብ ኲሉ ዝኸፈአ ከኣ፡ ብመንገዲ'ቲ ስኒ ማዕጺድ ዝመስል ጻዕዳ ኣስናኖም፡ ካብ መርዚ ተመን ዝብርትዕ መራዚ ሓሳባት ዝጭንጒዑ ብምዃኖም፡ "ንእሾኽ ብእኾ" ኴንካ ክትብድሆም ኣዝዩ ኣጸጋሚ'ዩ።
¶  ጽቡቕ ነገራቶም ምላልባሽ ንገዛእ ርእሶም ጽቡቕ ይርድኦም ድዩ ኣይርደኦም ስነ-መጎት ዘድልዮ ነገር እኳ ኣንተኾነ፡ እቲ በጠ-በጥ ዘኺዶም ባሕርያቶም፡ ኣብዛ ዓለም ንዘይነብር ዕድሜኦም እንዳጠቈሞም ይነብር ምዃኑ ንተዓዛቢኦም ዓቢ መምህር'ዩ።

√ በቲ ኢልካ በቲ ሓሳባትና፡ ካብዚ ናብቲ ብፍጥነት ዘንቀሳቐሱ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ መሓውራት ይውንኑ'ዮም፡፡ ንሕና ሰባት ናይ ሓሳባትና ውጽኢት ኢና፡ ብሓሳባትና ንስዕር ብሓሳባትና ድማ ንሰዓር። እቲ ንስዕሮ ሓሳብ'ዩ፡ እቲ ዘሸንፈና'ውን ሓሳብ'ዩ። ናይ ዓወትና ወይ ስዕረትና ምኽንያት፡  ርሕቀት ሸቶና ዘይኮነስ፡ ዓይነትን ኣንቀሳቕሳን መሓውር ናይ ሓሳባትና'ዩ። ሰብ ትሕቲ ቊፅጽር ሓሳባቱ'ዩ፡ ሓሳባቱ ድማ ብስነ-ልቦናኡ ይቕለስ። ዋና ኮምፓስ ናይ ስነ-ልቦና ግን ሕልና'ዩ።
¶ ኣብ መንጎ ሕልናን እግዚኣብሔርን ከኣ ፈጺምካ ዘይቋረጽ፡ ተሪር ኣቻዮ መራኸቢ መስመር ናይ ሓይሊ ጸዓት ኣሎ።

ንእግዚኣብሔር ዝእዘዝ ሓሳባት ይሃበና ፈጣሪ።
ወስብሐት ለእግዚኣብሔር!!
ሕቱም-መጽሓፍ!

lørdag 18. januar 2020

እንታይ ዝበለ ክርስቲያን'ዩ ክፈሪ ዝድለ ዘሎ፧

በስመ ሥላሴ


√ ሕንጻ ቤተክርስቲያን ንክህነጽ ኢዱ ዝዝርግሕ ትውልዲ'ዶ ዋላስ ጁቧኻ ጁቧ ግላውያን ንምኽዕባት፡ ንስኻ ዘዝቀረብካዮም መጽሓፍቲ ንኽገዝእ ዝህንደድ፧ ብምኽንያት'ቶም ተሃኒጾም ዝጸንሕዎ ቤተክርስቲያናት ብዓቢ ደስታ ንፈጣሪኡ ንምምስጋን ናብ ቤተ ፈጣሪኡ ዝግስግስ ክርስቲያንዶ፡ ወይ ድማ ንዝተሃንጸ ሸይጡ ወይ'ውን ኣፍሪሱ ጁቧታትካ ዝሃንጽ፡ ምእንቲ ዝናኻ ከኣ ዝነብር ሰነፍ ክርስቲያን፧


√ ዕሽር ብዘይምኽፋሉ ብሕልንኡ ዝውቀስ ክርስቲያንዶ፡ ዋላስ ነቶም ብስም ቤተክርስቲያን ተሰኒዑም ነንጽባሕ ዝፈርዩ ግላውያን ፍርያትካ ከከፊሉ ስለዘይወነኖም እናሻዕ ዝስቀቕ ናይ ግልኻ ደቀ-መዛሙር፧

√ ሓቅታት ቤተክርስቲያን ዘንበርክኾ ክርስቲያንዶ፡ ወይሲ ብኣምሱልነት ጥበራታትካ ተደሪኹ ንምብትታን ዝህንደድ ኣድመኛ ትውልዲ፧



√ "ቃለ-እግዚአብሔር ኣይእሰርን'ዩ!" ከኣ በልካ'ምበር። የግዲ እወ ሓቅኻ ኣለኻ! ቃለ-እግዚብሔር ኣይእሰርን'ዩ፡፡ ግን ከኣ ንዘይሕጋውያን ኣካላት ብሕጊ ዝኣስር'ዩ። ንቃል ኣምላኽ ክኣስሮ ዝኽእል ማንም ደፋር የለን፡፡ በንጻሩ ግን ቃል ኣምላኽ ብሕጊ ቤተክርስቲያን ዘይቅይዶ'ውን ከቶ ኣይርከብን'ዩ። ማለት ብሕጊ ቃል ኣምላኽ ክእሰር ዘይደሊ ወገን፡ ሓንቲ ኣማራጺት ጥራይ'ያ ዘላቶ፡፡ ንሳ ኸኣ፡ "ካብ ቤተክርስቲያን ክወጽእ!!" ምኽንያቱ ኣብዛ እንነብረላ ዓለም፡ ብቃል-ኪዳን ናይ ቃል ኣምላኽ ተኣሲራ ንምጽኣተ ክርስቶስ እትጽበ እንኮ ሓቀኛ መርዓት ቤተክርስቲያን ጥራይ'ያ።


√ ስለዚ ንሳ ናይ እግዚኣብሔር ወኪል ንሳውን መንፈሳዊት ቈንስል። ንሳ ሓቂ፡ ንሳ ድማ ሕጊ።


√ ሓቂ ካብኣ ይምንጩ ሕጊውን ብመንገዳ ይፍልፍል። ንሳ ሓቀኛ፡ ብዘይ ድማ ኣብዛ ዓለም ሕገ ለበስ የለን። በዚ መንጽር ንቤተክርስቲያን ናይ መሸፈቲኻ ጫካ ክትገብራ ኣይከኣልን'ዩ፡፡ እንተገበርካያ ድማ ኢድ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሌኻ ትዝርጋሕ። ኣንታ ክቡር ሓው፡ ክትሸይጥ ዲኻ ደሊኻ፧ ናብ መሸጢ ቦታ ዘወር በል፡፡ እወ ክትሻየጥ ዲኻ ሓስቢብካ፡ ስምን ቦታን ተጋጊኻ ኣለኻ።


√ እሞ፡ ክፍልል ዝደለየ እንተሎ ናብ ቤተክርስቲያን ኣይምጻእ፡ ምኽንያቱ ቤተክርስቲያን ሕጊ እተስተምህር ጥራይ ዘይኮነትስ፡ ንዘይሕጋውያን'ውን ሕጊ ከተልብስ እትጽዕት በዓልቲ ሕጊ'ያ። ናብኣ ንዝኣቱ ሽፍታ ሕጊ ተልብሶ እምበር፡ ኣብ ጎጆኣ ውሻጠ ናይ ሽፍትነት ኣይትሰርሓሉን። "ሓቀኛ'የ!" ትብለና ኣለኻ። እሞ ነቲ ንሳ ዝመሃረትካን ብናጻ ዝሃበትካን ቃላታ፡ ናብ ስጋዊ ረብሓኻ ንምውዓል፡ እልፊ መጽሓፍቲ ደደርዲርካ ብምጽሓፍ፡ ንቤተክርስቲያን "መናሃርያ ስጋዊ ጥቕማጥቕምኻ እትእክብ ናይ ግልኻ ዱንኳን!" ክትገብራ ካብ ደለኻ ደኣ፡ ኣበይ'ዩ ዘሎ እቲ ሓቅነካ፧


√ "ሓቂ ተዛረቡ፡ ሓቂ መስክሩ!" ኢልካ ትሰብኽ፡ ነቲ ንሳ ትእዝዘካ ሓቅታት ግን ሽምጠጣዊ ግብርታትካ ክጎስዮ ንርኢ ኣሎና። ቤተክርስቲያንኮ፡ "ዕሽር ክፈል" እምበር፡ ዕሽረይ ውሰድ ኣይኮነትን ትብል።እወ፡ "በረኸት ንክዀኖም ኢዶም ናብ ምጽዋት ዝዝርግሑ መእመናን ሰቢኽካ ኣፍሪ!" ኢያ ትብል'ምበር፡ "ንጁቧኻ ኢሎም ዝነብሩ ሰባት ኣጥሪ" ኣይበለትን። እረ ንሳ ብዘይትፈልጦን ብዘይኣዘዘቶን ዋኒን፡ ግን ከኣ ንስኻ ብግልኻ ብኢደ ዋኒንካ፡ ንሕዝባ "እነሆ ዝደረስክዎም ኣሽሓት ኣቕራሽ ዝዋግኦም መጽሓፍተይ፡ በጃኹም ዓድጉለይ!" ኢልካ መዋዓ-ውዒታት (reclams) ኣብ ዕዳጋታት ክትዝርግሕሲ፡ ምስ ነጋድያን ናይ ቤተጾሎት ኣይሁድ ከይትቖጸርዶ ኣየሰክፈካን'ዩ፧


√ እንተኾነ ከም፡ መምህር፡ ሰባኺ፡ ቃላት ቤተክርስቲያን ዝፈልጥ ሰብ ኴንካ፡ ንሕዝቢ ኣምላኽ፡ ንቤተክርስቲያኖም ዕሽር፡ ምጽዋት፡ መቧእ ወዘተ ንምሃብ ኢዶም ዝዝርግሑ መእምናን ከተጥሪ'ዩ ዝግባእ። ብኡኡ ገይርካ ድማ ዘይተሃንጹ ቤተክርስቲያናት ክህነጹ፡ ቀረባት ቅዱሳን ንዋያት ዘየጥረዩ ማሕበራት ከኣ ከምዘጥርዩ ንምግባር... ክንድቲ ቤተክርስቲያን ካብ ባዶነትካ ኣበጊሳ ታተ እንዳበለት ኣብዚ ዘብጽሐትካ፡ ዝኣክል ውዕለታ ክትከፍላ ምተገበአ ነይሩ። እንተድኣ በንጻሩ ነቲ ብሕግን ስርዓትን ተመሪሓ ዝዓደለትካ ቃላተ እግዚኣብሔር ንስኻ፡ ሕጊ ኣልቦ ቀይዲ በተኽ ብምዃን "ቃል ኣምላኽ ኣይእሰርን'ዩ!" ብዝብል ዘይመሳሰል ምስምስን ጉልቧብን፡ ከም ሰናኦራውያን ስምካን ዝናኻን ከተጸውዕ፡ ነተን ንምምጽዋት ዝርጉሓት ዝኾና ኢድ መእመናን ድማ ናባኻ ከምዝጥምዘዛ ክትገብር ትጽዕት እንተሊኻ ግን፥ እንታይ ዝበለ ክርስቲያን'ዩ ክፈሪ ዝድለ ዘሎ፧


√ እወ፡ ልቡን-ቀልቡን፡ ሓሳቡን ጒልቦቱን ገንዘቡን ኰታ ኲልንትንኡ ንቤተክርስቲያን ኢሉ ክነብር ዝደሊ ሰብዶ፡ ዋላስ ሃሙን ቀልቡን ምስ ገንዘቡን ጥሪቱን ንዓኻ ንሸቃጢ ቃላት መጽሓፍ ቅዱስ እናኣሳሰየ ዝነብር ገርሂ ክርስቲያን፧


√ ስለዚ ማንም ክርስቲያን ብዘይኣፍልጦን መምርሕን ቤተክርስቲያን፡ መጻሕፍታ ይዂን ቃላታ፡ ወይ ንሳ እትውንኖም ንዋያታ ክሸይጥ ወይ ክሻየጥ ከይህቅን። ንብረታ ብዓላ ብሓላፍነታ ትሽጦ ባዓላ ኣላቶ፡፡ እምበርከ እቲ ዝሽየጥ ወይ ዝዕደግ ዘሎ ቃላት፡ ዋንነቱ ናይ ቤተክርስቲያን እንተደኣ ኰይኑስ፡ መጀመርያ ፍቓድን ኣርታዕነትን ንዓኣዶ ኣይኮነን ዝሕተት፧ ንሳ ዘይትፈልጦን ሓላፍነት ዘይትወስደሉን መጽሓፍቲ ግን፡ "እነሀለ እዚ ቃላታ'ዩ!" ኢልካ ካብኡ ሓሊፍካ'ውን ንኽትሸይጥን ክትሻየጥን ከምዘፍቀደት ኣምሲልካ፡ ነቲ መጽዊቱ በረኸተ እግዚኣብሔር ክሓፍስ ዝግበኦ መእመን፡ በረኸት ኣልቦ ዝኾነ ገንዘብ ናብ ጁቧኻ እናዘረወ ሓዲገ-መዲግ ንክኸውን ኣይትወጥጦ!!


እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኃይሊ ጸረ ቤተክርስቲያን የድክመልና፡ ንዓና ድማ ኃይለ ብርታዐኡ ይለኣኸልና።

ሎቱ ስብሐት!!

ሕቱም-መጽሓፍ



mandag 2. desember 2019

ስብእና!!


በስመ ሥላሴ!!!

ኣእምሮ ስምዒታቱ ክለዋውጥ፡ መን'ዩ ተሓታቲ፧

√ ናብ ሕልና ኣቢሎም ዝውርወሩ ረቀቕቲ ኣእሻኽ፡ መእተዊኦም ብመሳኹቲ ኣዕይቲ'ዩ።
√ ልዕሊ ዕንጒለ ዝዕርዕሩ ፍጻሜታት ብድምጺ ወይ ስእላዊ መልክዕ ተቓሚሞም ናብ ሕልና ዝኣትዉ፡ ተነባቢ ከብሒ ስለዘሎ'ዩ።
√ ኣብዚ ዘመንና ስለ ዕለታዊ ፍጻሜታትን ንኣእምሮ ዝውጥሩ ነገራትን ኣመልኪቶም፡ መጽናዕቲ ዝገብሩ ንፉዓት ሃየስቲ ተዝርከቡ፡ ንኲዕታ ዝሕረ እኹል ጫካ internet ኮይኑ ምጸነሖም ይመስለኒ።
ንኣብነት፥-
√ ኣብ internet፡ ኣዝዩ ዝተጨነቐ ተስፋ-ቆረጽ ዝኾነ ሰብ ትርኢሞ፡ ኣእምሮና በቲ ፍጻመ ተሰናቢዱ "እምበርዶ ኣለኻ ኢካ!" ኢሉ ምስ ኣምላኹ ክደራደር ትንዕ-ትንዕ ይብል።
√ በቲ ካልእ መስኮት ናይ facebook ድማ ኣእምሮ ንሓደ፡ ብሓጎስ ተጨዲዱ ኣብ መንግስተ ሰማይ ዘሎ ክሳብ ዝመስሎ ኮይኑ ልዕሊ መጠን ዝተሓጎሰ ሰብ ይርኢ'ሞ፡ እቲ ብቈሪጸ ተስፋ ተሓሊሉ ዝጸነሐ ኣእምሮ ኣብዘን ቁንጣሮ ካልኢታት ኣወንታውያን ስምዒታቱ ክለዋውጥ ይግደድ።
√ በቲ ካልእ ፍኒስትራ ናይ instegram ድማ ክልተ ወይ ልዕሊኡ ዝከራኸሩ ኣካላት፡ እረ እነሓንሳእ ክርክሮም ከምኡ ኢሎም ካብ ማሕጸን ኣዴኦም ኣትሒዞም ተመክሮ ዝወሰድሉ ክርክር ብዝመስል ኣብ ሕልና ከቢድ ነውጺ ክፈጥር ዝኽእል፡ ኣጀንድኡ ረሲዑ'ውን ምውንጃል ምጽርራፍ ቀመም ዝገበረ ክትዕ ክዕዘብ ይጅምር ኣእምሮ። በዚ ድማ "ኣንታ እምበርዶ'ዛ ዓለምና ዝሰማምዑ ሰባት ኣለዉዋ ኢዮም፧" ኢሉ ብምሕሳብ ፡ "ደጊም ካብ ምስ ዘይረዳዳኣካ ሰብ ምዝራብ በይናዊ ሕይወት ክመርሕ ይሕሸኒ!" ናብ ዝብል ውሳነ ብምሕሳብ ንሰባት ክጽይን ይደናደን።
√ በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ ምንዝርናዊ ወይ ንምዝርና ዘለዓዕል ትርኢት ይምልከት'ሞ ኣዝዩ ይስምብድ። "ትማሊ-ትማሊ እሙናት ምርዑዋት ሰብ ቃል ኪዳን ክፋትሑ ርእየስ፡ በዚ ኸኣ ካልኦት እንዳዘመዉ ይርኢ ኣለኹ!" ብምባል ንኣብ ዓለም ዝነብር ሰብ ኩሉ በዓለገን ብናይ ምንዝርና ሰንሰለት ዝተቐፈደን ገይሩ ክሳብ ዝሓስብ ይኸውን።
ኣንባቢ ይመልኣዮ!!.... ካልእ ብዙሕ-ብዙሕ...
√ እቶም ንኣእምሮ ዝውጥሩ ፍጻሜታት ቀጻልነት ክሳብ ዝሃለዎም፡ ሕልና ቅሳነት ክሕረሞ ግድን'ዩ።
√ ሕልና ተዘይቀሲኑ ድማ፡ ጽባሕ-ጽባሕ ዝላብዑ ሕማማት ኣእምሮ ክፈርዩ ባሕርያዊ'ዩ።
√ እቲ መፍትሒ፡ ንinternet ምዕጻው ኣይኮነን፡ ንሱስ ዋላ እንተተሓሰ'ውን ዝከኣል ኣይመስለንን። ምኽንያቱ ክስረት እንከሎ'ዉን ብናትና ህየሳ ኣይኮነን ተቀሪጹ። ማለት እቶም ንintermet ዝሰረትዎ ኣካላት፡ ዕጋበታት ኣእምሮና ጥራይ ኣተኲሮ ገይሮም ዝመሃዝዎ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ ብመንገዲ'ቲ ድሌታትና ገይሮም ዝረኽብዎ ናይ ገዛእ ርእሶም ረብሓታት ኣተኲሮ ዝገበረ'ዩ።
√ "ኣእምሮናኸ ካብዚ ንሳቶም ዝሃየስዎ internet ክረብሕዶ ወይስ ክጒዳእ'ዩ ዝኽእል፧" ዝብል ኣዛራራቢ ሕቶ ክለዓል ግን ጽቡቕ ይመስለኒ።
√ ኣነ "እወ! Internet ንኣእምሮ ክጽይቕ ዝኽልእ ሕምቕ ቀለም'ዩ፡ እንተተኻኢልዎ'ውን ንኣእምሮ ምስ ሕልና ሓዋዊሱ ጨሪሱ ከዐኑ ዝኽእል ረቂቕ ኣቶሚካዊ ቦምብ'ዩ!" ዝብል ርእይቶ ኣለኒ። ግን ብግልባጡ ድማ internet፡ ልዕሊ መጠን ንኣእምሮ ክሃንጽ ዝኽእል ናይ ግሊ መምህርን ቤት ትምህርትን ምኻኑ'ውን ዘንጊዐዮ ኣይኮንኩን።
√ ስለዚ ኣእምሮ ዝምገበሉ፡ ሕልና ኸኣ ኣስተርሕዩ ዝቐስነሉ መገድታት ምፍታሽ ግን ጽቡቕ ኣመራጺታት'ዩ።


ተተኰስቲ ሓሳባት!

√ ተተኳሲ ኣይዛረብ ኣይሰምዕ ኣቕሓ ነገር ክንሱ፡ ልቢ ብዙሓት ዘባህረረ፡ ጅግንነት ኣሻሓት ድማ ትሕቲ ባይታ ዝቐበረ ትርኑዕ ሓይሊ'ዩ። ክስትውዓል ዝግብኦ ግን፡ ነዚ ክውን ንክኸውን ቀንዲ ተጠቃስን ምኽንያታዊ ነጥብን፡ ኣእምሮ ብዘፈልፈሎም ሓሳባት'ዩ። ንሕና "ብዙሓት ብሰንኪ'ዚ ተተኳሲ'ዚ ተምበርኪኾም'ዮም" ዝበልናዮ ኣካላት ድማ፡ ቅድም'ዩ ኣእምሮኦም ተምበርካኽነቱ ኣርእዩ።
√ እቲ ዘገርም በዚ ኣብ ኣእምሮ ዝተቐናበሩ ተተኮስቲ ሓሳባት ፡ ንናይ ብዙሓት ኣእምሮ ከምበርክኽ ብምኽኣሉ'ዩ። እዚ ምኽኣል እንተስኢኑ ድማ ኣእምሮ፡ ተተኳስቲ ሓሳባት ኣቀናቢሩ፡ ተተኳሲ ነገር ከምዝስራሕ ይገብር።
√ ስለዚ ተተኳሲ መበቆሉ ካብ ተተኰስቲ ሓሳባት'ዩ።
√ ሓሳብ ኣብ ኣእምሮ ተቐሚሙ ዝፍልፍል ዛራ እኳ እንተኾነ፡ ብሰንክ'ዚ ኣብ ኣእምሮ ዝቕመም ሓሳባት ግን፡ ብዙሓት ክቕዘፉ ወይ'ውን ክሓውዩ ይኽእሉ።
√ ማለት ሓሳባትና ዝቐዝፉ ጥራይ ኣይኮኑን፡ እንተላይ ዘሕውዩ'ዮም።
√ ብኻልእ መዳይ፡ ኣእምብሮ ብገዛእ ኢዱ ብዝመሃዞም ተተኰስቲ ሓሳባት፡ ንገዛእ ርእሱ ክጎድእ'ውን ይኽእል'ዩ። "ገረብ ብሓኽላ፡ ብዕራይ-ብጭግሯፉ" ከምዝበሃል።
√ ኣብነት፡- ቀንዲ ጠንቂ ናይ ብዙሓት ናይ ስነ-ኣእምሮ ጸገማት ዘለዎም ደቂ ሰባት፡ ጅማሬኡን ድሕረ-ባይታኦምን እንክረአ፡ ኣብ ኣእምሮኦም ልዕሊ መጠን ተወንጨፍቲ ሓሳባት የእንግዱ ከምዝነበሩ'ዩ ዝረጋገጽ።
√ እምበኣር ገሊኦም ተተኰስቲ ሓሳባት፡ ኣብ ኣእምሮ ጀሚሮም ኣብ ኣእምሮ ይትኰሱ፡ ገለ-ገሊኦም ከአ፡ ካብ ኣእምሮ ወጺኦም ኣብ ልዕሊ ኣእምሮ ብዙሓት ይፍንጀሩ።
√ ጽቡቕ ነገሩ ግን፡ ኣእምሮና ክፍንጅሩ ዝኽእሉ ሓሳባት ዘጥሪ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብዝበዝሐ መጠኑ እንኳን ንብዙሕ ነገራት ክጽግኑ ዝኽእሉ ኣወንታውያን ሓሳባት ከውሕዝ ዝኽእል ሓያል ጽዓት ብምኻኑ'ዩ።
√ ስለዚ ሰብ ካብ ኣእምሩኡ ዝምጭዉ ንዘለዉ ሓሳባት ተተኰስቲ ምኻኖም እንተድኣ ተረዲኡ፡-
- ቀዳማይ ገዛእ ኣእምርኡ ንከይሃሲ ክብል፡ ነፍሰ ምክልኻል ክገብር ክግደድ'ዩ።
- ካልኣይ ድማ፡ ነቶም ተፈንጀርቲ ሓሳባቱ ኣለልዩ፡ ኣብ ክንዲ "ዓይኒ-ብለይ ስኒ-ብለይ" ኢሉ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ደርብዩ ንብዙሓት መሃሰይቲ ዘውርድ ፡ "ቅድሚ ዝኣገረ ንሰባት ዝጠቕምሉ መገዲ ከናዲ'የ" ኢሉ ክሓስብ ክጅምር'ዩ።

 ስምምዕ፡ ብኸመይ፧

1. ሓሳባትካ ብኣእምሮ ብዙሓት ተቐባልነት ከረብ ምድላይ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንስኻ'ውን ሓሳባት ብዙሓት ክሰምዕ ክፈቶ። እዚ ምግባርካ ብውሕዱ፡ ኣእምሮኻ ንነገራት ቀልጢፉ ክርደኦምን፡ ነቶም ዝተጠናነጉ ሓሳባት ብኣግኡ ክማምዮምን ክሕግዘካ'ዩ።
2. እትዛረቦም ቃላት ኣእምሮኻ ማምዩ ዝፈልጦምን ሕልናኻ ድምዳሜ ዝህበሉን ክኸውን ኣለዎ። ምኽንያቱ ብዘይካ ኣእምሮኻን ሕልናኻን ካልእ ኣካል ንኣበሃህላኻ ሓላፍነት ክወስደሉ ዝኽእል የለን፡፡ እዚ ድማ ኣበሃህላኻ ንስምምዕ ወይ ንምብትታን ናይ ሓሳባት ምኽንያት ክኸውን ስለዝኽእል'ዩ።
3. ከምቲ ኣእምሮኻ ናጻ ፍጥረት ምኻኑ እትኣምነሉ፡ ነቲ መከራኽርትኻ'ውን ናጽነቱ ኣይትቃጸጾ። ማለት ብናይ ማንም ሓሳባት ኣእምሮኻ ክጉዳእ ከምዘይትደሊ ርዱእ ስለዝኾነ፡ ኣእምሮኻ ዘፈልፈሎም ሓሳባት ንኻልኦት፡ ክጠቕሞም ወይ'ውን ክጎድኦም ከምዝኽእል ፈሊጥካ፡ ቅድሚ ሓሳባት ምምንጫውካ ምሒር ጥንቃቐታት ግበር። ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ሓሳባትካ ንሰባት ተጠቐመ ንስኻ ትምስገን፡ እንተጎደኦም ወይ እንተኣቐየሞም ግን ንስኻ ኢኻ ትንቀፍን ትጉዳእን።
4. ኣእምሮ ወዲ ሰብ ወትሩ ክዕወት'ምበር ክጸዓድ ኣይደልን'ዩ፡፡ ንስኻ'ውን ዋላካ ናይ ወትሩ ምንዮትካ ዓወት እንተኾነ፡ ብሰንኪ'ቶም ዘጋጠሙኻ ብድሆታት ውጥቀት እንተድኣ ኣጎልቢብካ፡ ንምውዳቕካ ክትቅበሎ ኮሎ-ገና ምድላዋት ግበር። እዚ ደጊምካ ትርኑዓት ሓሳባት ሒዝካ ንኽትትንስእ ክሕግዘካ'ዩ። ወዲቕካ እንከለኻ "ኣይወደቕኩን" ዘይኮነስ፡ "ብኸመይ ወዲቐ ብኸመይ ይትንስእ!" ንዝብሉ ገስገስቲ ሓሳባት ኣፈልፍል።
√ ስምምዕን ዘይምስምማዕን፡ ሓደ ካብ ኣጀንዳታት ኣእምሮ ደቂ ሰባት'ዩ፡፡ እዚ ሓይሊ'ዚ ካብ ኩሉ ሰብነትና ንኣእምሮና ጥራይ'ዩ ክብድሆ ዝኽእል፡፡ ክብዳህ እንተኾይኑ'ውን ኣእምሮን ሕልናን ብዘሳላሰልዎም ልኡማት ሓሳባት'ዩ።
√ ብኻልእ ዓይኒ፡- ብምኽንያት ስምምዕ እፎይታ ክስምዖ ዝኽእል ሕልና ጥራይ'ዩ፡ ዘይምስምማዕ ብዝፈጠሮ ነውጺ ክህሰ ዝኽእል ድማ ሕልና'ዩ። ኣእምሮ ግን ኣማራጺታት ክደሊ ስለዝነብር፡ ሎሚ ስምምዕ ተኸሲቱ ክትብል ጸኒሕካ፡ ርሑቕ ከይሰጎምካ ዝፈናጨሉ ሓሳባት ብኣእምሮ ክጠርዩ ባህርያዊ ኮይኑ ይጸንሓና። ዘሐጉስ ነገር ግን ኣእምሮና፡ ተጋጫዊ ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ፈታሒ ሓሳብ ከመንጩ ዝኽእል ብምኻኑ ነገራትና በኣጋ ይስተኻኸሉ።
√ኣብ መወዳእታ ናይ ስምምዕ ቁልፊ፡ ፍቕሪ ኮይና ትጸንሓና። በቃ ከባድ! እረ ክሳብ ሞት እተብጽሕ ሓይላ ኣዝዩ ብርቱዕ እካ እንተኾነ፡ ንኹሉ ሰብ ብዘይ ነግ-ፈረግ ብምሉእ ሓይልኻ ምፍቃር ግን ጽቡቕ ኣማራጺ'ዩ!!

√ 6 መፍትሒ-ረጽምታት፥-

1. ረጽሚ (ሽግር) ብምፍጣሩ ምሒር ኣይትሸገር፡ ምሒር ድማ ኣይተቃልሎ።
2. ዝርርብ እትገብረሉ ቦታ መሪጽካ፡ ብዘይ ናይ ካልእ ጸቕጢ ናጻ ኬንካ ብህድኣት ተላዘብ። ተቓየቕ ተጻረፍ ማለት ግን ኣይኮነን።
3. ነቲ ዝበሃለካ ዘሎ ተገዲስካ ጽን ኢልካ ስምዓዮ፡ ክትዛረብ ጥራይ ኣይትድለ።
4. ንናይ ክልቲኣትካ ወገናት ንኽትጋጮ ወይ ንኸይትሰማማዕ ምኽንያት ዝኾኑ ነገራት ኣለሊኻ፡ "መፍቲሒ ይኾኑ ኢዮም!" ዝበልካዮም ነጥብታት መሚኻ ኣምጽእ። ኣብቲ ዝቐረበ መፍቲሕታት ተቓውሞ ተለካ ድማ ተቓውሞኻ ምስ መረዳእትኡ ብትሕትና ኣረድእ። ጸርፍን ምንሻውን ግን፡ ንረጽምታትካ እንደገና ናህሪ ስለዝገብረሉ፡ ኣብ ቃላትካን ኣተኩሮኻን ጥንቃቐታት ግበር።
5.ንናይ ቀጻሊ ርክባትካ፡ "መምርሒታት ይኾኑ ኢዮም" ዝበልካዮም ሓባራውያን ነጥብታት ኣልዒልካ ተዛተ።
6. ይቕሬታ ክትብልን ካብ ሰባት ይቕሬታ ክትቅበልን ኩሉ ግዜ ቁሩብነት ይሃልኻ።
√ እዚ እንተኾይኑ፡ "ሕቶኡ ብዝግባእ ዝተረደአ ተማሃራይሲ፡ ዳርጋ 50% መልሳ ዝተረደኦ'ዩ!" ከምዝበሃል፡ ሽግራትን መፍቲሕታቶምን ቀልጢፍካ ናይ ምርዳእ ዓቕሚ ክትድልብ ኢኻ።
ወስብሐት ለእግዚኣብሔር።
ሕቱም-መጽሓፍ

onsdag 13. november 2019

ሰልፊ ክርስቲያን ከመይ'ዩ፧

በስመ ስላሴ!
√ ክርስቲያን ኬንካ፡ ምድራውያን ክርህሩህልካ ምድላይ ዘይኮነስ፡ ጥንካሬ መንፈሳውነትካ ምስ ሰማያውያን ዘለካ ሕብረት እተረጋግጾ ተጋድሎ'ዩ። ምድራውያን ኣብ ጸርግያኦም ወጺኻ ክትምድር ይደልዩኻ፡ ሰማያውያን ድማ ኣብ ቤተክርስቲያን ኣቲኻ ክትጽሊ ይምነዩኻ። ምኽንያቱ መንፈሳውያን ዝሓለፍዎ ሕላፍ፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ቤተክርስቲያን ተወሲንካ'ዩ፡ ምድራውያን ግን ጽርግያ-ጽርግያ ኣናኸድካ'ዩ።
√ ምድራውያን ጽርግያ-ጽርግያ እናኸድካ ተዘይመዲርካ ሰናይ ዝገበርካ ኣይመስሎምን፡ ሰማያውያን ግን ጽድቅኻ ከም ፈሪሳውያን ኣብ ኣደባባይ ወጺኻ "ረኣዩለይ ረኣዩለይ!" እንክክትብል ኣይብረሆምን።
√ ምድራውያን ኣብ ጎደና ክትስለፍ ይደልዩኻ፡ ሰማያውያን ግን ከከምደረጃኻ ኣብ ቤተ ጸሎት፡ ኣብ ገዳም፡ ኣብ በዓቲ፡ ኣብ ስፍራ ብሕትውና ኬንካ ብቅድስና ክትስለፍ ይደልዩኻ።
√ ሰልፊ መንፈሳውያን ሕልናኦም ናብ ሰማይ እናጠመተ'ዩ ዝከማወን፡ ምድራዊት ሰልፊ ግን ክርስቲያንነትካ እናካን ክሳብ ትርስዕ ትገብረካ።
√ ምድራውያን ነገስታት፡ ምድራዊ ታቤላ ሒዝካ በቲ ገበላኦም እንዳመደርካን እንዳኣዕገርገርካን ክትሓልፍ እንክርእዩኻ፡ "ኣገናዕ!" ክብሉኻ ቁሩብ ትተርፎም። መንፈሳውያን ግን እዚ ምግባርካ የግህዮም። እምበርከ እቲ ጽርግያ-ጽርግያ እናኸድካ እትምድሮን እትጭርሖን ምደራ፡ ብዓይኒ እግዚኣብሔር ክምዘን እንከሎ ንመንፈሳውየንካ ኣዝዩ ስለዘፍኩሶ'ዩ።
√ ምድራውያን ኩሉ ጽድቅኻ ክረኣዮም ይደልዩ፡ ስለዚ ዘዝገበርዎ ክትገብር ይደልዩኻ። ማለት ጽርግያ ተወጽዮም፡ ጽርግያ ክትወጽእ፡ ታቤላ ተጽሒፎም ታቤላ ክትጽሕፍ፡ ኣብ internet እንተወጽዮም ንስኻውን ኣብኡ ክትቅኒ ይደልዩኻ። መንፈሳውያን ግን እናተረኣኻ ተሰዊርካ ክትነብር'ዮም ዝደልዩ።
√ ምኽንያቱ ክርስትና ኣብ ዓለም እናሃለኻ ተሰዊርካ ዝንበሮ ረቂቕ ናብራ'ዩ። እነ ገለ ገርህታት፥ " ብርሃንካ ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ!" ንዝብል ሕያው ቃል ወሲዶም፡ ገዛእ ርእሶም ዝጥብሩ ኣሎዉ። እዚ ማለት ግን ታቤላን ታቦትን ሒዝካ ጽርግያ-ጽርግያ ኩለል፡ ልብሰ ተክህኖ ለቢስካ ምድራዊ ጭርሖ ጨርሕ ማለት ከምዘይኮነ ዝተረድኦም ኣይመስልን።
√ ምድራውያን ነገስታት ብቃንቆኦም ገይርካ ተዘይለሚንካዮም ኣይሰምዑኻን'ዮም፡ ሰማያዊ ንጉስ ግን በታ ትኽእላ ቃንቃ ገይርካ ክትጽውዖ ጥራይ'ውን ዘይኮነስ፡ ገና ልሳንካ ክጽውዕ እንከይጀመረ እንክውሎ እንካን፡ ናይ ልብኻ ሕሹኽታ ክሰምዕ ዝኽእል ፈጣሪ'ዩ ።
√ ምድራውያን ነገስታት ጭርሖኻ መታን ክርድእዎ ብልሳኖም ዝተሓንጠጠ ታቤላ ሒዝካ በቲ ከባቢኦም ዘወንወን ክትብል ይደልዩ። ሰማያዊ ንጉስ ግን፡ ታቤላታት ምብዛሕን ጽርግያ ጽርግያ እናኸድካ ንከባቢ ምድዋሽን ኣይደልን። ንሱ ዝደልያ ብዙሕ ኣይኮነን፡ ሓንቲ'ያ።
√ እወ ናይ ክርስቲያን ጭርሖ፡ ሓንቲ'ያ፡ "እግዚኦ መሐረነ ክርስቶስ!" ትርጉማ፡- "ኦ ክርስቶስ መሓረና!" ማለት'ያ። እዚ ድማ መጀመርያ ንባዕልኻ ኣባሲ፡ በዳሊ ምኻንካ እትእመነሉን፡ ምሉእ መሓርነትን ከሃልነትን ፍርድን ከኣ ንዑኡ ንክርስቶስ እትህበሉን ዓቢ መንፈሳዊ ሓይሊ ዘሎዎ ሓይለ ቃል'ዩ።
√ ካብኣ ስዒበን ንዓኣ ዝመሳሰላኣ ብተመሳሳሊ ዜማ ዝቃነያ ድማ ኣለዋ። "በእንተ ማርያም መሓረነ ክርስቶስ፡ በእንተ ሚካኤል..በእንተ ገብርኤል...!" እንዳበልካ ክሳብ ስም ናይ ኩሎም ቅዱሳን እናጠቐስካ፡ ልቢ ክርስቶስ ከምእትርህርሃልካ ምግባር'ዩ።
√ ክርስትና ንዑ ረኣዩለይ ኣይኮነን።
√ ክርስትና ንዑ ፍረዱለይ ኣይኮነን።
√ ክርስትና ንዑ ፍትሑለይ ኣይኮነን።
ምኽንያቱ፡ ረኣዪ ከይትደሊ ኣብ ክንዲ ኣዕይንቲ እግዚኣብሔር ተኪኤን ዝጥምታ ካልኦት የዕይንቲ የለዋን።
ፈራዲ ከይትደሊ፡ ልዕሊ ክርስቶስ ዳኛ የለን፡ ፍትሒ ከይትብል ድማ ካብ እግዚኣብሔር ንላዕሊ ዝኣስርን ዝፈትሕን የለን።
√ እቲ ጠንቂ ፍትሒ ስለዝተሳእነ ዘይኮነስ፡ ልቢ ወዲ ሰብ ናብ'ቲ ክፈትሕን ክኣስርን ዝከኣሎ ኣምላኽ፡ እምነትን ተኣማንነት እንዳቐነሰት ትኸይድ ስለዘላ'ዩ። መጽሓፍ ቅዱስ "በቲ እዋን'ቲሲ እምበርዶ እምነት ዘለዎ ሰብ ክርከብ'ዩ!" ብምባል ኣግርሞትን ስግኣትን ዘለዎ ጽሑፍ ተጻሒፉ ንረክብ።
√ ፍትሒ እንተድአ ተደልዩ፡ ኢድ እግዚኣብሔር ኣባና ንክትዓዪ፡ እታ ኣብ ትሕቲ እግዚኣብሔር እትውንዘፍ እምነት፡ ደረጃኣ ኣዝዩ ዓቢ ተራ ኣለዋ።
√ ስለዚ ማንም ክርስቲያን ልዕሊ እግዚኣብሔር፡ ካልእ ፈታሒ ከይጽበ!
√ ማንም ኣማኒ ልዕሊ ንእግዚኣብሔር ንኻልእ ልቡ ክትምብርከኽ ቦታ ከይህባ።
√ ማንም ክርስቲያን ልዕሊ ንቤተክርስቲያን፡ ናይ ኻልእ ድምጺ ከይሰምዕ!
√ ማንም ወዲ ቤተክርስቲያን፡ ቤቱ ገዲፉ ካልእ ቤት ከይናፍቕ!
√ ማንም ክርስቲያን ዝናኡን ሽመቱን ተጠቒሙ፡ ነታ ብስልጣነ መንፈስ ቅዱስ ተሃኒጻ ዝጸነሐቶ ቤት ኣምላኽ ገዲፉ፡ ካልእ ቤት ኣምላኽ ክሃንጽ ከይህቅን!! ነዚ ረጊጹ ካልእ ጉጅለ ክፈጥር እንተሓሊኑ ግን፡ እታ ብዘይኣፍልጦን ብዘይፍቓደኝነትት ቤት ኣምላኽ ዝሃነጻ ቤት፡ ንዑኡ ቤተጣዖት ክትኮኖ'ያ!!
√ ኣብ ሰብ፡ ኣብ ምድራዊ ንጉስ፡ ምድራዊ ብዓል ዝና፡ ሽሞኛ. ..ዝውከል ሰብ ፍርዱ መርገም'ዩ። መጽሓፍ-ቅዱስ "እቲ ኣብ ሰብ ዝውከል ርጉም ይኹን!" ኢሉ የጠንቅቕ።
√ እንተኸኣልናስ ንቅዱሳን "ብጸሎትኩም ሓግዙና፡ ከምቲ ዝሓለፍክሞ ኪደተ ክርስትና ክንጋደል ናብ ፈጣሪኹም ጸልዩልና፡፡ ኣብ'ዛ ምድሪ ዘላ ዕድሜና ብሰላምን ብቅድስናን ክንሓልፋ፡ በቲ ምስ ፈጣሪና ዝኣተኹሞ ቃል ኪዳን ንምሕጸን ኣለና!" ኢልና ክርስቲያናዊ ድጋፍ ክንልምን'ዩ ዘምሕረልና።
√ ተዘይኮነ ግን ናብ ቤተ መንግስቲ ቻይና ኬድካ ስለዘዕገርገርካ ኣምላኽ ብተኣምር ናብ ቻይናዊ ተቐይሩ ክረድኣካ ማለት ኣይኮነን።
√ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ መጺኻ ስለዘእወኻ'ውን ኣሜሪካዊ ኣምላኽ ኣውያትካ ክሰምዓካ ማለት ኣይኮነን።
√ ናብ ቤተ መንግስቲ ጁብቲ እንተኸድካኸ፡ ጁብታዊ ኣምላኽ ክሰምዓካ ማለት ድዩ!
√ ክርስቲያን ኣብ ክርስቶስ ዘላቶ እምነት እናወሓደት ኣብ እትኸደትሉ ግዜ፡ ኣእጋሩ ናብ ምድራውያን ነገስታት ክጽጋዓ ይጅምራ።
√ ሓደ ዘፍርህን ግድን ክፍጸም ዘለዎን ትንቢት ኣሎ፡፡ ንሱ ድማ ዘመነ ሓሳዊ መሲሕ'ዩ። ሓሳዊ መሲሕ ክነግስ እንከሎ፡ ክርስቲያንን ቤተክርስቲያንን ስለዘይፈቱ ወይ "እሺ!" ኢልካ ትእዛዙ ምኽባር፡ ወይ ድማ ከም ቅሱስ ጊዮርጊስ ንሰማእትነት ቅሩብነትካ ምርኣይ'ዩ ክኸውን። ወይ ከኣ ካብ ሰብ ተፈሊኻ ኣብ ብብሕትውና ምንባር'ዩ እቲ ሳልሳይ ምርጫ። ከም ክርስቲያን ኬንካ፡ ልብሰ ተክህኖ ተኸዲንካ፡ ታቦት ተሰኪምካ ኣብ ከባቢ ቤተመንግስቱ መጺኻ ሰልፊ እንተገይርካ ግን፡ እንታይ ክስዕብ'ዩ ጥበበኛ ሰብ ይመርምሮ። እቲ ሓሳዊ መሲሕ ኣምላኽ ኣይክኣምንን'ዩ። ስለዚ "ፍትሒ ደልየ!" ኢሉ ንዝመጾ ክርስቲያንሲ እንታይ ኮን ይገብሮ ይከውን፧
√ ንንግስነትን ስልጣንን እግዚኣብሔር ዝዳረግ ንጉስ ይኹን ፕረስደንት ኣብዛ ኣድማስ ፈጺምካ የለን፡ ብሕጂውን ኣይክህሉን'ዩ።
√ ስለዚ ንዑኡ ንእግዚኣብሔር ምእማን፡ ኣብ ትሕቲ ጽላሉ ምምዕቃብ ልዕሊ መጠን እኹል'ዩ።
√ እምበኣር ስጋውነትን እምነት ዝጎደሎ ስነ-ምግባርን ገዲፍና ልብና ናብ ሰማይ ክትጥምት ንግደፋ። ልሳንና ነቲ ሰማያዊ ንጉስ ክትጽውዖ ንፍቀደላ። ሕልናና ኣብ ቅድሚ'ቲ ወሃብን ከላእን ዝኾነ ፈጣሪ፡ ኣብ ቤቱ መጺኣ ክትምብርከኽ ንደፋፍኣያ። እግዚኣብሔር ድማ ብዘይጥርጥር፡ ተኣማንነቱ ከርእየና'ዩ። ጠላም ኣይኮነን!! ሓይሊ ጸረ ቤተክርስቲያኑ ኣድኪሙ፡ ከም ሙሴ ኣብ ልዕሎ ፈርዖን፡ ኣብ ልዕሊ ጸላእቲ መስቀሉን ኣብ ቅድሚ ጸረ ቤተክርስቲያኑን ከምእንስልጥን ክገብረና'ዩ።
እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኃይሊ ጸረቤተልርስቲያን የድክመልና፡ ንዓና ድማ ኃይሉ ይልኣኸልና!!
ወስሐት ለእግዚኣብሔር።

mandag 21. oktober 2019

ቅንዕናዶ፡ ወይሲ ልቦና?

በስመ ስላሴ!!


ቅንዕናዶ፡ ወይሲ ልቦና?


√ እዘን ክልተ ቃላት እዚኣተን ኣብ ተፈጥሮ ደቂ ሰባት ተሰሲገን ዝርከባ ናይ ሕልና መምርሒታት ኢየን። ሕልና ትእዛዛቱን መምርሒኡን ከከናውን እንተኾይኑ፡ በዘን ክልተ ቃላት'ዚኣተን ገይሩ'ዩ ጉዳዩ ዘሰላስል። ኣብ ውሽጢ ኣእምሮ ወድ ሰብ ሕልና ዝበሃል ላዕለዋይ ኮምፓስ ናይ ተፎጥሮና ኣሎ።ፈጣሪ ርክቡን ዳንነቱን ቀንዲ ጉዳዩን ምስ ሕልና'ዩ። ስለዚ ድማ ሕልና ንኣእምሮ ክእዝዞ እንከሎ፡ ኣእምሮ፡ "ቅንዕና፡ ልቦና፡ ኣስተውዓልነት፡ ርህራሄ፡ ፍትሓውነት፡ ሕውነት ፍቕሪ" ዝብሉ ኣወንታውያን ነገራት የሰላስል። ወይ ድማ በንጻሩ፡" ቅጥፈት፡ ደንዳናነት፡ ዕሽነት፡ ዓመጽ፡ ሥሰዐ፡ ጛናነት (ጛና ምካን)፡ ጽልኢ" ዝኣመሰሉ ኣሉታውያን ባእታታት ከንጸባርቕ ይደሊ። ብሓጺሩ ኣእምሮ ወዲ ሰብ ንኽልተ ነገራት ዝተቓለዐ'ዩ፡ ወይ ንሕማቕ ወይ ድማ ንሰናይ። ቀዳሞት ፍላስፋታት ናይ ዓለምና፡ ብፍላይ ከኣ ሰብ ግሪኽ ዘተኣታተዉዎ "ጥዑይን ሕማቕን ኣምላኽ!" ዝብል ኣምልኾ ጣዖት፡ "እንታይ'ዩ ኣብዚ ድምዳሜዚ ኣብጺሕዎም፧" ናብ ዝብል ዋና መበገሲኡ እንተድኣ ሓቲትና፡ " ኣብ ተፈጥሮ ሕማቕን ጥዑይ ነገራት ኣሎ!" ዝብል ናይቲ ዘመን'ቲ ጅማርያዊ ፍልስፍና'ዩ ኣብዚ ኣብጺሕዎም። ስለዚ ድማ ዘመኑ ለምለም፡ ጠሊ፡ ጽጋብ ብርሃን እንተኾይኑ፡ "ጥዑይ ኣምላኽ ይስዕር ኣሎ!" ይብሉ። በንጻሩ፡ ደርቂ፡  ህቦቡላ፡መሾምቦባ፡ ጥሜት ጸልማት እንተበዚሑ ድማ፡ "እቲ ክፉእ ኣምላኽ ይሕይል ኣሎ!"  ዝብል ድምዳሜ ይህቡሉ ነይሮም።

ምሳሌያዊ ታሪኽ!

√ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ግብሪ ሓዋርያት 17፡ ሰፊሩ ከምዘሎ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ኣቴንስ ክሰብኽ ኢሉ ምስ ከደ፡ ኣብቲ መሰውዒ ኣብያተ ጣዖታት እንዳዘረ ይምልከት ነበረሞ፡ "ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ!" (ግብ17፥23) ዝብል ጽሑፍ ዝተጻሕፎ መስውኢ ረኣየ። ካብ ምንታይ ተበጊሶም ኢዮም ነዚ ጽሑፍ'ዚ ጽሒፎሞ ኢልና መጽሓፍቲ እንተፈትሽና ከኣ፡ ለካ እዚ ጽሕፍ'ዚ መበገሲ ታሪኹ፡ ምስ ስቕለት ጎይታናን መድሓኒናን ኢዮሱስ ክርስቶስ ምትሕሓዝ ዘለዎ'ዩ። እዚ ድማ ኣብቲ ሽዑኡ ዝነበረ ናይ ፍልስፍናኦም መለክዒ፡ "ሓያልን ድኹምን ኣማልኽቲ ኣለዉ!" ናብ ዝብል መደምደምታ በጺሖም ስለዝነበሩ፡ ናይዚ ጉዳይዚ ድምዳሜ ዝሃበ ኣብ ዘመነ ስቕለት ናይ ጎይና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝነበረ ፍላስፋ ድሒሩ ግን ብስብከት ቅዱስ ጳውሎስ ክርስቲያን ዝኾነ፡ ዲዮናስዮስ ኢዩ። እዚ ድማ፡ ጎይታና ምስተሰቕለ ኣብ ሃገሮም ሃገረ ግሪኽ፡ ጸሓይ ጸልሚታ፡ ወርሒ ደም ኮይና፡ ከዋኽብቲ ክረግፉ እንከለዉ ርእዮም'ቶም ሕዝቢ፡ ደቂ ኣቴንስ ማለት'ዩ፡ ናብዚ ፍላስፋ'ዚ መጺኦም " እንታይ'ዩ እዚ ምኽንያት ናይ ጽሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ጉዳይ!" ኢሎም ሓተትዎሞ፡ ንሱ ድማ " ኣብ ሰማይ እቲ ሕሱምን እቲ ጥዑይን ዝበሃሉ ኣማልኽቲ ተባኢሶምሲ፡ ብናቶም ውግእ ድማ እዚ ምልክትዚ  ኣብ ሰማይ ይረአ ኣሎ። ሕጂ ግን እቲ ክፉእ ኣምላኽ ስለዝሰዓረዩ፡ ብርሃን ብጸልማት ተጎልቢቡ ከዋኽብቲ ዝረግፉ ዘለዉ።" ኢሉ ድምዳሜ ሃቦም። ንሳቶም ድማ "እዚ ኣምላኽዚ መን'ዩ፡ ክንፈልጦ ኣለና፡ ክሳብ ብፍቓዱ ዝግለጸልና ግን ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ መስዋዕቲ ከነቕርብ ግቡእና'ዩ። እዚ ድማ ካብ ቅሬታኡ ንኽነምልጥ ክሕግዘና'ዩ!" ብምባል ገና ንዘይፈለጥዎ ኣምላኽ መሰውዒ ሰርሕሉ።  ፍላስፋ ዲዮናስዮስ ከኣ ኩነታት ናይቲ ፍጻሜ፡ ዕለቱን ሰዓቱ ምልክቱን ኣብ መዝገቡ ጽሒፍዎ ስለዝጸንሐ ፡ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ስብከት ቅዱስ ጳውሎስ ምስ ሰመዐ፡ ዕለቱን ሰዓቱን ምልክቱን ናይ ዕለተ ዓርቢ ስቅለት ካብ ቅዱስ ጳውሎስ ሓቲቱ ብምርካብ፡  ምስቲ ናቱ መጽናዕታዊ ጽሕፉ ኣረኣኣዮ። ለካ እምበኣር እቲ ዘይተፈልጠ ኣምላኽ ክርስቶስ ኮይኑ ጸንሖ'ሞ፡ ብክርስቶስ ኣሚኑ ናብ ሓቂ ከምዝመጸ ተውፊት ቤተክርስቲያን ይነግረና። እዚ ፍላስፋ ዝነበረ ሰብ፡ ናብ ክርስትና ምስ መጸ'ውን እንተኾነ፡ ካብቶም ብብዙሕ መንፈሳዊ ተጋድሎ ሓሊፎም ኣዝዩ ዝምስገን መንፈሳዊ ተጋድሎ ዘሕለፉ መራሒ ኮይኑ ከምዝሓለፈ ገድሉ ይነግረና።
(ገድሊ ሃዋርያት ዝብል መጽሓፍ፡ ናይ ዲዮናስዮስ ገድሊ ተመልከት)

√ ቅድሚ ብዛዕባ ልቦናን ቅንዕናን ኣብ ዝብሉ ቃላት ትንተና ምሃበይ ናብዚ ታሪኽዚ ዝወሰደኒ ቀንዲ ምኽንያት፡ ወድ ሰብ ኣብ ውሽጢ ሕልንኡ ተደቢቖም ዘለዉ ነገራት ንምዝርዛር'ዩ። ማለት ሰብ ቅኑዕ ሕልና ጥራይ ኣይኮነን ዘለዎ፡ ወይውን ሰብ ለባም ጥራይ ኣይኮነን፡ ኣእምሮ ወድሰብ ወትሩ እንዳተሰርሐ ዝነብር ረቂቕ ህንጻ ስለዝኾነ፡ ንናይ ኣእምሮ ምልኣታዊ ክውንነት ዝኾኑ ነገራት፡ መህነጺኡን ኮረቱን ቸሜንትኡን ናይ እዞም ዝተጠቕሱ ሓይለ ቃላት'ዮም፡ ልቦናን ቅንዕናን።፡ ወይ ድማ መፍረሲኡን መዕነዊኡን ዝኾኑውን እዞም ዝተጠቕሱ ኣንጻርያውያን ባእታታት ኣብ ኣእምሮ ክቕልቀሉ እንከለዉ ኢዩ። ተጻራሪ ናይ ቅንዕና፡ ምዝንባል'ዩ፡ ኣንጻር ናይ ልቦና ድማ፡ ዕሽነት ወይ ጥበብ ኣልቦ'ዩ። ኣእምሮ ንክህነጽ ልቦናን ቅንዕናን፡ ንኽፈርስ ድማ ዕሽነትን ዝንቡዕነትን የድሊ።ንምኻኑስከ በዛ ልቦና እትብል ቃል ንጀምር።

ልቦና እንታይ ማለት'ዩ፧

√ ልቦና ማለት፡ርእሱ ዝኸኣሉ መምሃራንን ሰብ ሞያን ዘለዎ እካ እንተኾነ፡  ሕጽር ዝበለ ብናይ እምነት መጽሓፍቲ ክትንተን እንከሎ ግን፡ "ስነ" ማለት ሰነየ፡ ሰናይ ዝብሉ ናይ ግእዝ መበቆል ኣለዎ። ልቦና ማለት ድማ ጥበብ፡ ብልሒ. .. ኢልካ ይዝርዘ። ስነ-ልቦና ማለት ሰናይ ጥበብ፡ ሰናይ ብልሒ ማለት'ዩ። ልቦና ኣብ ውሽጢ ባህርይ ደቂ ሰባት እትርከብ፡ እግዚኣብሔር ዝቕመጣ ረቃቕ ኮረቻኡ ኢያ። መቸስ ኣብ ኮረቻ ዝተቐመጠ ሰልፈኛ፡ ናብዝን ናብትን ንክመርሕ ኮረቻ፡ ንዑኡ ምቹእ ስፍራ ከምዝኾኖ ርዱእ'ዩ፡፡ ኣብ ልቦና ዝተቐመጠ ፈጣሪ ድማ፡ ንምሉእ ሰብነትና ናብቲ ንሱ ዝደልዮ ኣንፈት ከማእዝኖ ኣይእግሞን ኢዩ። ዝተዛብዐ ስነ ልቦና ዝህልወና፡ እግዚኣብሔር ምኸኣል ስለዝሰኣነ ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ ኣብ ልቦናና ተወጢሑ ንክመርሓና ፍቓደኛታት ሰለዘይንኸውን'ዩ። መጽሓፍ ቅዱስ " ኣነ ጥበብ፡ ልቦና ኣለኒ፡ ፍልጠት ምስትውዓል ኣለኒ!!" (መክ8፥12) ይብል። መሰረታዊ ጽንሰ ሓሳቡ ብባሕሪኡ ለባም፡ ኣስተውዓሊ፡ ዘይጋገ ጥበበኛ እግዚኣብሔር ጥራይ ምኻኑ ንምንጻር'ዩ። ካብዛ ባህርይ እዚኣ ድማ እግዚኣብሔር፡ ናቱ መሕደሪ ንኽትኮኖ ንልቦና ኣብ ደቂ ሰባት ኣቐመጣ። ወድ ሰብ ብኢድ ፈጣሪ ክስራሕ እንከሎ'ምበኣር፡ ሓንቲ ካብተን ሰለስተ ባሕርያተ ነፍሱ፡" ለባውነት!" ከምዝህልዎ ኮይኑ'ዩ ተፈጢሩ። ለባውነት ድማ ምፍላጥ፡ ምጥባብ፡ ምምርማር፡ ምስትውዓል ዝብሉ ዓንቀጻት ኣለዉዎ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ልቦና ብብርዕን ብቐለምን ዘይኮነስ፡ ብመንገዲ'ተን ረቀቕቲ ኣእዳው እግዚኣብሔር ኣቢላ ኣብ ልቢ ደቂ ሰባት ዝተጻሕፈት እምንቲ ሕገ ፈጣሪ'ያ። ስለዚ ድማ'ዩ ፈጣሪ፡ ካብ ዘመነ ኣዳም ክሳብ ዘመነ ሙሴ ዝነበሩ ህዝቡ፡ ብጽሑፍ ዘይኮነስ ብሕገ-ልቦና ዝመርሖም ዝነበረ።

√ ኣብዚ እዋን'ዚ ናይ ስነ ልቦና ሰብ ሞያ ዓለምና  ንልቦና፡ "ኣብ ደቂ ሰብ እትርከብ ነፍሲ ኮይና፡ እንሲሳታት ግን ገና ክውንንዋ ዘይከኣሉ ዓባይ ሃብቲ ደቂ ሰባት ኢያ!" ኢሎም ይትንትንዋ። እዚ ማለቶም እንሲሳታት እስትንፋስ ሃሊዎም ይንቀሳቐሱ እካ እንተኾኑ፡ ካባና ዘፍልዮም ግን ከማና ዝሓስብን ዘመዛዝንን ዝረትዕን ስነ-ልቦና ስለዘየብሎም'ዩ። ሰብ ግን ካብ ፈጣሪ ብዝተዋህቦ ዓቕሚ፡ ዝንቀሳቐስ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እንተላይ ከንቀሳቕስ ዝኽእል ሓይሊ'ዩ። ንኣብነት ሓንቲ 24 ዓመት ብዛዕባ ቃንቃ ሰባት ዝተማህረት ህበይ ኣላ ንበል። ንሳ ምላልባሽ ነቲ ዝተማህረቶ ድገምለይ ንምባል "ከምዚ በሊ!" እንዳልካ ደድሕሬኻ ዘዝበልካዮ ክትደግመልካ ትኽእል ትኸውን። ንዝተማህረቶ ነገር ንኻልእ ክትምህር ግን ኣይከኣላን'ዩ። ብዕራይ ሆ ምስበልካዮ ብናውቲ ማሕረስ ተጸሚዱ ክንቀሳቐስ ይእክል'ዩ፡ ተጣቢቡ ግን ባዕሉ ክሓርስ፡ ባዕሉ ናውቲ ማሕረስ ከዳሉ ኣይከኣሎን'ዩ። ሓንቲ ድሙ ካብቲ ነንጭዋ ንምሓዝ እትጥቀመሉ ሃልካዊ ጥበባታ ወጻኢ፡ ካልእ ተበላሒታ መጻወድያ ክትምህዝ፡ ኣይከኣላን'ዩ። ስነ ልቦና ናይ ሰብ ግን እንተደልዩ እካ ንኽልቲአን'ዘን እንሲሳታት፡ ንንጭዋን ድሙን ተሰማሚዐን ዝዓብያሉ መንገዲ ከጣጥሕ ይኽእል'ዩ። ሰብ ብተፈጥሮ ካብ ፈጣሪ ዝተዋህቦ ልቦና ኣለዎ። በዚ ተመሪሑ ንዝኸይድ ሰብ ድማ ለባም ኢልና ንጽውዖ፡ ንፈጣሪኡ ዝመስል ንምባል'ዩ።  ማለት  ሰብ "ርህሩህ፡ ፈቃር፡" ምኻኑ ዝዝክር፡ ኣብዛ ዓለም ሓዱሽን ጛሻን ተቐማጢ ምኻኑ ዝኣምን፡ ናይ ምርዳእን ምርድዳእን ልምዲ ዘለዎ፡ ሓሳብ ሰባት ዘኽብር፡ ንሓሳባቱ ካብ ስምዒት ወጽዩ ክገልጽ ዝፍትን፡ ዓቕሙ ዝፈቐዶ ጽቡቕ ክገብር ዝደሊ...!" እዚ ኩሉ ኣብ ስነ-ልቦና ዘለዎ ሰብ ክህልዉ እትጽበዮም ጠባያት ኢዮም። በንጻሩ ግን ነዚታት ዝጻብኡ ጠባያት ኣብ ባሕሪ ወዲ ሰብ የለዉን ማለት ኣይኮነን፡ ክጅመር እንከሎ ግን ሰብ ጅማሬኡ ለባም ንጹሕ ኮይኑ ኢዩ ናብዛ ዓለም ዝቕልቀል። ኣብዚ ኣርትዖት ንምርካብ ንጽሕናዊ ልቢ ናይ ሕጻናት ክንምልከት ንኽእል ኢና። ሕጻን ክበላሓት ክመሃር፡ ክኽእል ክዓቢ ስለዝደሊ ብዝከኣሎ ዓቕሚ እንዳተማህረ ክነብር ይደሊ እምበር፡ ቁንጣሮ ስለዝኸኣለ ጥራይ፡ "መምህር ኢየ" ኢሉ ንህላዌኡ ካብ ተማሃራየነት ናጻ ከውጽኣ ኣይደልን። ብመሰረተ መለክዒታት ትምህርቱ ከኣ፡ ቀስ ብቐስ ኣብዛ ዓለም ብዝረኽቦም ተመክሮን ትምህርትን፡ ደረጃ ስነ ልቦናኡ ክዓቢ ወይ ንድሕሪት ክጉሰስስ ይኽእል።

ቅንዕና!

√ ቅንዕና፡ መበገሲ ጽንሰ ሓሳቡ ምስ ትኽ ዝበለ ሕንጻጽ ክነጻጸር ይኽእል'ዩ። ማሕረሻታት እታ ሓንቲ ትኽ ዝበለት ቅንዕቲ፡ እታ ሓንቲ ግን ዕጽፍ ዝበለት ዘባዕ፡ ቅኑዕቲ ብርዒ፡ ለዋይ ብርዒ፡ ትኽ ዝበለት በትርን ዓጻፍን... ኢልና ኣብነታት ክጥቀስ ይከኣል'ዩ። ሜትሮ ትኽ ዝበለት እንተኾይና ልክዓዊ ርሕቀት ትነግር፡ ዓጻፍ እንተኾይና ግን ሓቀኛ ፍንታተ ናይ ነገራት ክርከብ ኣይከኣልን'ዩ። ሃይማኖታውያን ቃላት ብዛዕባ ቅኑዕነት ንምንጋር በየን ይጅምሩ እንተኢልና፧ ብኣግዚኣብሔር'ዩ እቲ መልሲ፡፡ "እግዚኣብሔር ነቶም ብሚዛን ዝሰርቁ ይጸልኦም፡ ነቶም ብቕንዕና ዝመዝኑ ግና ይሕጎሶሎም።" (ምሳ11፥1) ዝብል ጽሑፍ ኣሎ። ሚዛን ከምእንፈልጣ ዝድነቕ ባህሪ ኣለዋ፡፡ ሓንቲ ኪሎ ጨው ምስ ሓንቲ ኪሎ ጫው ማዕረ፡ ትኽ ዝበለ ሕንጻጽ ገይራ ኢያ እተርእየና። ዓሰርተ ኪሎ ሓጺን ምስ ዓሰርተ ኪሉ ጡጥ'ውን ስፍሓት መትሓዚኦም ደኣ ይፈላለ እምበር፡ ኣብ ማዕረ ትኽ ዝብለ ሕንጻጽ ገይራ ኢያ ትሰርዖም ሚዛን። ቅንዕና እግዚኣብሔር ምስ ሚዛን እንተድኣ ኣተኣሳሲርናዮ ከኣ፡ ፈጣሪና ኩሉ ግዜ ዘይጋገን ዘይዘናበልን ርቱዕን ሓቀኛን ምኻኑ'ኢና ንፈልጥ። እዚ ማለት መሰረታዊ ትርጉም ናይ ቅንዕና ንምትንታን፡ ቅንዕና፡ እግዚኣብሔር ዝመዝነላ ዝምትረላን ረቃቕ መለክዒኡ ኢያ ማለት'ዩ።

√ ባሕርይ እግዚኣብሔር ንባዕሉ ክንመሃሮ እንከለና፡ "ፈጣሪ ማለት ዘይጋገ፡ ቅኑዕ፡ ሓቀኛ፡ ዘይሕሱ፡ፍርዱ ዘየዝብል፡ ንሓጥኣን ከም ሓጢኣቶም፡ ንጻድቃን ከም ጽድቆም ዝፈርደሉ ሚዛን ኣዳልዩ ንፍርዲ ዝጽበ ዘሎ ኣምላኽ'ዩ!" ኢልና ኢና እንመሃር። እዚ ቅንዕናኡ'ዚ ደቂ ሰባት ከይተረፈ ክለብስዎን ከንጸባርቕዎን ስለዝደሊ፡ ንሰብ ለባም ኮይኑ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እንተላይ ቅኑዕ ኮይኑ ክነብረሉ ይደልዮ። ምኽንያቱ ለባምን ገርህን፡ ለባምን ተሃማልን፡ ዓሻን ቅኑዕን ሰብ፡ ኣብ ናይ መምዘኒ ዓይኒ-እግዚኣብሔር ቦታ የብሉን። ናይ ፈጣሪና ባህሪኡ፡ ለባምን ገርህን ዘይኮነስ፡ ለባምን ኣስተውዓልን'ዩ። ሓቀኛን መዓልታዊ ዝጋገን ዘይኮነ ከኣ፡ ፈጺሙ ዓሽዩ ወይ ተጋግዩ ዘይፈልጥ ፈጣሪ'ዩ። ንሱ ኣስተውዓሊ'ዩ፡ ከስተውዕል እንተከሎ ግን ከይጋገ ስለዝሰግእ'ውን ኣይኮነን፡፡ እንታይ ደኣ፡ ብባህሪኡ ጥበበኛን ፍጹም ኣስተውዓልነት ዘለዎን ብምኻኑ'ምበር። ኣስተውዓልነት ንዓና ንደቂ ሰባት እንታይ'ዩ ፧ እንተ ኢልና፡ ኣስተውዓልነት ንቅንዕናኻ ዘጠንክር መለክዒ'ዩ። እግዚኣብሔር ለባምን ተሃማልን ዘይኮነ፡ ለባምን ዘይጋገን ዘይዕሾን'ዩ። እዚ ባሕርይ'ዚ ኣባና ክረአ እንከሎ በንጻሩ ስለዝኾነ፡ ንሰብ ምግጋይ ንኸየጋጥሞ፡ ካብ ምዝባዕ ወይ ካብ ምዝንባል ናይ ሕልና ክሕሉ ዝኽእል ረቂቕ ድርዒ ናይ ሕልና፡ ቅንዕና የድልዮ። ቅንዕና ዋላ ነቲ ዘለና ናይ ምግጋይ ባህርይ ክእርም ዝኽል ሓይሊ'ዩ። ንኣብነት ማዕጺት ለዋይ'ያ፡ ክትዕዘባ እንከለኻውን ትኽ ትብል ኣይትመስልን። ሓጛዳይ ግን ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ ንማዕጺድ ትኽ ዝበለት ገይሩ ከዕርያ ከምዝኽእል ይኣምን'ዩ። ሰብ ድማ ካብዛ ዓለም ብዝረኽቦም ነገራት ዝተዛብዐ ልቦና ክውንን ይኽእል'ዩ፡ ቅንዕና እንተልይዎ ግን ከም ማዕጺድ ክምለስ ኣየጸግምን'ዩ። ካብቶም ልቢ ንኸይቀንዕ ዝጻብኡ ነገራት ሓደ፡ ትረት ልቢ'ዩ። ከምቲ ዝተባህለ፡ ንማዕጺት ብደረቓ እንከላ ትኽ ክተብላ ስለዘይከኣል እትልምልመሉ መገዲ ኢኻ እተጣጥሕ። ልቦና ክቐንዕ እንተኾይኑ ድማ፡ እቲ ሰብ ልምላሜን ልውህናን ናይ ልቦናን ክህልዎ ኣገዳሲ'ዩ። ለባም ሰብ ሰንኪ ሰብ ምኻኑ ጥራይ፡ ዋላ ሎሚ ኣይጋገ፡ ጽባሕ ግን ክጋገ ከምዝኽእል ስዝፈልጥ፡ ክስተታት ናይ ስንፍናታቱ ክቕበል ቅሩብነት ዘለዋ ልቢ ሒዙ'ዩ ዝጎዓዝ።

ፍቕሪ መደምደምታ ኩሉ!

√ እምበኣር ሰብ ዘይጋገ ኣይኮነን ይጋገ'ዩ፡ ዘይዕሾ ድማ ኣይኮነን ብዝተፋላለየ ነገራት ቅንዕንኡን ልቦናኡን ዝመዛበለሉ እዋናን ኣሎ። ጠንቂ ናይዚ ከኣ ፈጣሪ ኣይኮነን። ማለት ፈጣሪ ንሰብ ዘይጋገ ገይሩ ብዘይምፍጣሩ ንፈጣሪ እንወቕሰሉ መገዲ ፈጺምካ የለን፡፡ ምክንያቱ ሰብ ፍጡርን ስሩሕን ስለዝኾነ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንኽፍጠር እዉን  ዝገበሮ ኣስተዋጽኦ ዋላ ሓንቲ ቅንጣብ ስለዘየለ'ዩ። ኣብ ቦታ ሰራሒኡ፡  ኣብ ዙፋን ፈጣሪ ክቕመጥ ዝምጥን ዓቕሚ'ውን ፈጺምካ ኣይርከቦን'ዩ ንሰብ። ስለዚ ፈጣሪ ንሰብ ክሰርሖ እንከሎ፡ ከምዝጋገን ካብ ቅንዕንኡ ከምዝዘናበልን ይፈልጦ'ዩ። ነዚ ምዝንባል'ዚ ዘዕርየሉ መገዲ ግን ኣይከፈተሉን ማለት ኣይኮነን። ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ዝድነቕ ባሕሪ ፈጣሪ፡ ጌግኡን ድኻማቱን ኣሚኑ ንዝመጾ ሰብ ከይነዓቐ ክቕበል ዝኽእል ምኻኑ'ዩ። መፍትሒ ምዝንባል ናይ ቅንዕናን ልቦናን እምበኣር ፈጣሪ ብሕድገታዊ ልቢ ይቕበለና ምኻኑ'ዩ።

√ ቅንዕና፡ ርቱዕነት፡ ሓቅነት፡ ፍትሓውነት... ዝብሉ ዝርዝራውያን ነገራት ኣብ ፍቕሪ ይጥርነፉ። ልቦና ድማ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፡ ርህሩሀ፡ ሰብ ምኻንካ ምዝካር፡ ኣብዛ ዓለም ሓዱሽን ጛሻን ተቐማጢ ምኻንካ ምእማን፡ ናይ ምርዳእን ምርድዳእን ልምዲ ምጥራይ፡ ሓሳብ ሰባት ምኽባር፡ ንሓሳባትካ ካብ ስምዒት ወጺኻ ክትገልጽ ምፍታን፡ ዓቕምኻ ዝፈቐዶ ምግባር... ኢልና ክንዝርዝር ንጸንሕሞ እዚ ኩሉ ኣብ ፍቕሪ ተጠርኒፉ ይጸንሓና። በንጻሩ እንተኾይኑ ድማ፡ ኩሎም ኣሉታውያን ነገራት ናይ ስነ ልቦና ምስ ምዝንባል ኣተሓሳስባታት እንተድኣ ተደሚሮም፡ ኣብ ዓንቀጸ ጽልኢ ይራኸቡ። ቅንዕናን ፍቕርን እምበኣር ዝራኸብሉ ዓንቀጽን ጥቕስን፡ ኣብ ፍቕሪ'ዩ። ብተወሳኺ ፍቕሪ ድልድል ናይ ስነ ልቦናን ስነ ቅንዕናን'ዩ።ጽልኢ ድማ ኣንድምታዊ ነጥቢ ናይ ዕሽነትን መንቀኝነትን'ዩ። ንኹላቶም'ዞም ዝበልናዮም  ዘማእዝኖም ግን ኣእምሮ'ዩ። ኣእምሮ ከኣ ኣብ ሕምብርቲ ሕልና ዝርከብ ረቂቕ ሰልፈኛ ኮይኑ፡ ሕልና ዘዝበሎ ክእዘዝ ዝነብር ናይ ሰብነትና ኮፓስ'ዩ። ስለዚ ብምንጪ ጌጋታትናን ትረት ልብናን ዝውቀስ ኣእምሮ እካ እንተኾነ፡ ሕልና ንኣእምሮ ከማእዝኖ ብዘይምኽኣሉ ግን፡ እግዚኣብሔር ቀዳመይቲ ዳናይት ፍርዱ ናብ ሕልና ኢዩ ዝውርውራ!!

ዘመኑ ብልቦናን ብቅንዕናን ክስገር ዝግበኦ'ዩሞ፡ እግዚኣብሔር ሓይለ ጥበቡ ይልኣኸልና!!
ስብሐት ለእግዚኣብሔር!!
ሕቱም-መጽሓፍ፡

fredag 27. september 2019

በእንተ ዉሉዳት!... "ብሩኽ ውላድ ካብ ኣምላኽ ድዩ ወይሲ ካብ ሰብ?"


ዉሉድን ወላድን!

በስመ ስላሴ!

√ ትርጉሙ ዉሉድ፡ "ተወልደ፡ ይትወለድ፡ ተወላዲ" ካብ ዝብሉ ግእዛውያን ግሲ መበቆል ዝገበረ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ውሉድ ዝምልከቱ መግለጺታት ጠርኒፉ ዝርከብ ዓቢ ሓይለ ቃል'ዩ። ወላዲ ማለት ድማ፡ "ወለደ፡ ይወልድ" ዝብል ሱር ግሲ ዘለዎ ኮይኑ፡ ንኹሉ ዓይነት ወላዲ ዘርዚሩን ጾሚቑን ዝገልጽ ዓቢ ቃል'ዩ።

ዓይነታት ዉሉዳት፦

√ ኣምላኻዊ ናይ ባሕርይ ውሉድ፡
እዚ ንፈጣሪ ጥራይ ዝውክል ዓይነት ናይ ወላድነትን ተወላድነትን ኮይኑ፡ ክልተ ገጻት ዘለዎ'ዩ።
 ንሳቶም ድማ ቅድመ ፍጥረት ዓለም ብዘይ ኣደ፡ ድሕሪ ፍጥረት ዓለም ብዘይእቦ ኢዮም!

+ ቅድመ ፍጥረት ዓለም ብዘይ ኣደ ማለት፡ እግዚኣብሔር ወልድ ካብቲ ብባኅሪ ዝተኻኸሎ፡ ብስልጣን ይኹን ብፈጣርነት ዘይንእሶ ናይ ባሕርይ ኣቡኡ፡ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ክሳብ ዘልኣለም ዝውለደሉ ኣምላኻዊ መስርሕ'ዩ። ማለት ኣቦ ክሳብ ዝሃለወ፡ ወልድ ክህሉ ግድን ስለዝኾነን ኣቦ ብዘይ ወልድ "ኣቦ" ከስምዮ ስለዘይክእልን'ዩ። እዚ ክኸውን እንከሎ ግን ከም ናይ ስርዓተ-ተፈጥሮ፡ ብጾታዊ ምውልላድ ዘይኮነስ፡ ጾታ ኣልቦ ዝኾነ ረቂቕ ናይ ኣምላኽ ዕዮ ኢዩ።

+ ድሕሪ ምፍጣር ዓለም ብዘይ ኣደ ማለት ድማ፡ እግዚኣብሔር ወልድ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ካብ ስጋኣ ስጋ፡ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ብፍቓዱን ፍቓድ ኣቡኡን ስምረት መንፈስ ቅዱስን ብመልክዕ ልደት፡ ብሕቱም ድንግልና ተጸኒሱ ብሕቱም ድንግልና ዝተወልደሉ፡ ንኣምላኽነቱን ሰብኣውነቱን ብተዋህዶ ተሪኹ ከረድእ ዝኽእል ኣዝዩ ዓብን ረቂቕን መንፈሳዊ መስርሕ'ዩ። እዚ ማለት ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ብዘይ ዘርኢ ተባዕታይ ስለዝተወልደ፡ ኣብዛ ምድሪ ብስጋ ዝወለዶ ኣቦ የብሉን፡ ብስጋ ዝወለደቶ ኣዴኡ ግን ሰብ ጓል ሰብ ኮይና፡ ጓል ሃና ጓል ኢያቄም'ያ ቅድስት ድንግል ማርያም። እዚ ኮይኑ እንከሎ፡ እዛ ቅድስት ኣደ እዚኣ " በል ወደይ፡ ኣነን ኣቡኻን ተሸጊርና ክንደልየካ ቀኒና...፧ ሉቃ2፣48"  እንክትብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ነንብብ ኢና። ኮይኑ ግን "ኣቦኻ" ኢላ ጠቒሳቶ ዘላ ጻድቕ ዮሴፍ ኣረጋዊ፡ ንወዳ ብስጋ ኣቡኡ ኮይኑ ዘይኮነስ፡ ከም ሓደ ተኸናኺኑ ዘዐቢ ሰብ፡ ብስጋ ሓብሒቡ ስለዘዕበዮን ዕድመ ዝደፈአ ሽማግለ ምንባሩ ንከተነጽር ኢላ ኢያ። ኣብ ልማድ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብስጋ ዘዐበየካ ሰብ፡ ዋላ ኣይውለድካ "ኣቦይ" ከም እትብሎ፡ ንሓደ ሽማግለ ሰብኣይውን ከማኡ መን ምኻኑ ብዘየገድስ ዕብየቱ ሽምግልንኡን ንኸተነጽር "ኣቦይ" ኢልካ ከምትጽውዖ ንጹር'ዩ።

√ ናይ ጸጋ ዉልድነት፡
እዚ ድማ ንሕና ኣመንቲ እግዚኣብሔር ብመንገዲ'ቲ ፈጣሪ ዘቐመጠልና መንፈሳዊ መለክዒታት፡ ምስ ሓለፍና ዝወሃበና ናይ ጸጋ ውልድነት'ዩ። ባሕርይና ኣምላኽ ዘይክንሱ፥ ብመንገዲ ጥምቀት ኣቢልና ምስ ሰገርና፡ ካብ ኣምላኽ ከምዝተወለድና ደቁ ገይሩ ይሓስበና። ኣብ'ዚ ክንጸር ዘለዎ ነገር እንተሃልዩ ግን፡ ክርስቶስ ኣምላኽና፡
"ኣብ ሰምይ ሓደ ኣቦ ስለዘለኩም፡ ኣብ ምድሪ ንሓደ እካ ኣቦ ኢልኩም ኣይትጸውዑ...!!ማቴ23፣9" ኢሉ ንሓዋርያቱ ከስተምህሮም ነንብብ ኢና። እዚ ዝበለሉ ምኽንያት ግን፡ ነቶም ብስጋ ዝወለዱና ወለዲ ወይ ድማ ኣቡ ነፍስና ወይዉን ሽማግለታት ዓዲ፡ ኣቦ ንከይበሃሉ ክቃወም ኢሉ ኣይኮነን።፡ ስለ ትዕቢትን ምንጩን ከረድኦም ኢሉ ኢዩ። ማለት ኣብቲ እዋን እቲ ፈሪሳውያን፡ ብትዕቢት ተወጢሮም "ብዘይካና ኣቦ ይኹን መምህር የለን!" ብምባል ልዕሊኦም ኣምላኽ ከምዘሎ ክሳብ ዝርስዑ ዝኾንሉ እዋን ስለዝነበረ፡ ክርስቶስ ኣምላኽና፡ "እቲ ንርእሱ ልዕል ልዕል ዘብል ክሓስር ኢዩ፡ ርእሱ ዘትሕት ግና ልዕል ክብል'ዩ።" ብምባል ኣብተን ቀጺለን ዘለዋ ጥቕስታት ናይዛ ምዕራፍ ገሊጹዎ ኣሎ። እዚ ማለት ዋላ እካ ክንዲ ዝኣከለ ዝኣክል ልዕልናን ፍልጠትን ይሃልወና፡ ልዕሌና ፈጣርን ብባህሪኡ ኣምላኽን ከምዘሎ ፈሊጥካ ፥ ትሕት ምባል ከምዘድሊ ከረድእ ኢሉ'ዩ። ኣብ ካልእ ጽሑፋት'ውን፡ "ንስኻትኩምሲ ካብቲ ኣቦኹም ዲያብሎስ ኢኹም፡ ትምኒት እቲ ኣቦኹም ክትገብሩ ኢኹም'ውን ትደልዩ ዘለኹም...!! ዮሓ8፣44" እናበለ ክምህር እንከሎ ነንብብ ኢና። እዚ ድማ ንሰይጣን ምስቲ ኣቐዲሙ፡ "ኣብ ሰማይ ሓደ ኣቦ ኢዩ ዘለኩም " ዝበሎ እግዚኣብሔርነቱ ከመዓራርዮ ደልዩ ዘይኮነስ፡ ንኹሉ ንድርቅናን ክፍኣትን ሓጣውእ ምንጮም ዲያብሎስ፡ ንዑኡ ዝስዕብ ዘበለ ድማ ኩሉ ብግብሪ ካብኡ ዝተወልደ ምኻኑ ንኸረዳ ኢሉ'ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ብሰናይ ይኹን ብክፉእ ብዘየገድስ፡ ብግብሪ ዝወልዱና ኣካላት ከምዘለዉ የረድእ ኣሎ ማለት'ዩ።

√ ናይ መንፈስ ውልድነት (ካብ ሰባት)፡
እዚ ድማ ሓደ ክርስቲያን ዉሉድ ይሃልዎ ኣይሃልዎ ብዘየገድስ፡ ንሱ ኣብነታዊ ኮይኑ ዘዕበዮ ሰብ ተልይዎ፡ እቲ ተማሃራይ፡ ነቲ መምህር ናይ እምነት  ወዱ ኢዩ። ንኣብነት፡ ቅዱስ ጳውሎስ ዘይተመርዓወን ድንግልን ክንሱ፡ "ጢሞጥዎስ ወደይ፡ ቲቶ ወደይ፡ ወደይ ኣናሲሞስ፡ ኣቱም ደቀይ... 1ጢሞ1፥2 ቲቶ1፣4  ፊል1፥10!"  ዝብሉ ተደጋገምቲ ጽሑፋቱ ነንብብ ኢና። እዚኣቶም ድማ ምሂሩ ኣብነቱ ጔሩ፡ ብመንፈስ ዘዕበዮም ደቁ ስለዝኾኑ'እምበር፡ ከምቲ ዝተባህለ ገዛእ ርእሱ ምስ ፈጣሪ ኣመዓራርዩ 'ምስቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ይተኻኸል'የ' ኢሉ  ክነግር ስለዝደለየ ኣይኮነን።

√ ናይ ንስሓ ዉሉድ (ኣብ ትሕቲ ኣቡ ነፍሲ ዝምዕቆብ ክርስቲያን)፡
እዚ ውልድነት'ዚ፡ ሓደ ክርስቲያን ኣቡ-ነፍሲ፥ ማለት ናይ ንስሓ ኣቦ ምስ ሓዘ፡ እቲ ካህን ነዛ ንንስሓን መንፈሳዊ ነገራትን ጓሳ ዘድልያ ነፍሲ፡ ከም ኣቦ፡ እታ ክርስቲያናዊት ነፍሲ ድማ ከም ዉሉድ ኮይኖም ዝነብርዎ መንፈሳዊ  ኪደት'ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ኣብ መልእኽቱ ኤፌ4፣11 "ናይ ነፍሳት ጓሶት" ብምባል ነቶም ካህናት ኣቦታትን ነቶም ናይ ንስሓ ደቆምን ብሓንቲ ቃል ጠርኒፉ "ናይ ነፍሳት ጓሶት" ኢሉ ጽሒፍልና ኣሎ። መዝ 23፥1 ድማ "እግዚአብሔር ጓሳየይ'ዩ" ይብል። ናይ ነብሳት ጓሶት ዝተባህሉ ግን ኣብ ትሕቲ እግዚአብሔር ብጸጋ ንክርስቲኣናት ክጓስዩ ዝተረቚሑ'ምበር፡  ብባሕርይ ምስ ፈጣሪ ዝተኻኸሉ ኴኖም ኣይኮኑን።

√  ኣባ-ልገ፡
እዚ ዉሉድነት'ዚ፡ ሓደ ክርስቲያን ብመንገዲ ጥምቀት ኣቢሉ ካብ ፈጣሪኡ ብጸጋ ምስተወልደ፡ ብኡ-ንቡኡ ካብቶም መእመናን ሓደ ብፍሉይ ተመሪጹ፡ እቲ ሕጻን ክሳብ ክንዲ ሰብ ዝኣክል፡ ብሓደራ ከም ስምኦን ኣረጋዊ ኣባ ልገ ኮይኑ ንክከናኸኖን፡ ትምህርተ ሃይማኖት ክምህሮን ኣብነት ክኾኖን ብሓደራ ዝቕበሎ ሰብ'ዩ። ስለዚ እቲ ተሓዚ ኣባ ልገ ከም ኣቦ፡ እቲ ህጻን ድማ ከም ውሉዱ ኮይኖም ይነብሩ ማለት'ዩ።

√ ናይ ስጋ ወላድነት፣
እዚ ወላድነት ወይ ዉልድነት'ዚ፡ ሓደ ሰብ ብባህሪኡ ምስ ዝመሳሰሎ ኣንጻር ጾታ ዝኾነ ሰብ፡ ብሕገ-ሩኳቤ ብመንገዲ ተፈጥሮኣዊ ወሲብ ኣቢሉ ዉላድ እንተድኣ ወሊዱ፡ "ወደይ" ይብሎ፡ እቲ ሕጻን ድማ ከም ወላዲኡ ይሓስቦ። ኣብ'ዚ ፍልይ ዘብሎ ነገር እንተሃልዩ፡ ክልቲኣቶም ብተፈጥሮ ማዕረ ዝኾነ ባሕርይ ዘለዎም ኮይኑ፡ እቲ ወሲባዊ ናይ ኣቦን ዉሉድን መስርሕ እናተሰጋገረ ዝኸይድ ሰንሰለታዊ መስርሕ'ዩ። ስለዚ እቲ ሕጻን'ውን ጽባሕ ንግሆ፡ከምኡ ዝኾኑ ዉሉድ ካብ ዘርኡ ከፍሪ ምዃኑ ርዱእ'ዩ። ንኣብነት፡ ኣቦና ኣዳም ካብ ኣዴና ሔዋን ብቅዱስ መውስቦ ንኣቤልን ቃየልን ክወልዱ እንከለዉ፡ ኣቦና ኣብርሃም'ውን ንዕስማዔል ብዘይ ሕጋዊ ካብ ኣጋር፡ ንይስሓቕ ድማ ብሕጋዊ መውስቦ ካብ ቅድስት ሳራ ከምዝወለደ ንፈልጥ ኢና።

√ ኣቦነት ናይ ዕድመ ምድፋእን ሽምግልናን፡
እዚ ኣቦነት ወይ ዉልድነት'ዚ፡ ሓደ ሰብ እምነቱን ስነ-ምግባሩን ከመይ'ዩ ብዘየገድስ፡ ኣብዛ ዓለም ናይ ስጋ ዕድመ ጸጊቡ ኣብ ናይ ሽምግልና ግዜ ምስ በጽሐ፡ ንዝኾነ ዓይነት ህጻን ወይ መንእሰይ ከም ኣቡኡ፡ እቲ ንእሽቶ ድማ ከም ወዱ ኮይኖም ዝነብርዎ ማሕበራዊ ናብራ'ዩ። ስለዚ እቲ መንእሰይ፡ ንዝኾነ ሽማግለ ሰብ፡ ብስሙ ዘንጢሉ ኣይጽውዖን፡ እንታይ ደኣ "ኣቦ፡ ኣቦይ ዓቢ፡ ኣቦይ እከለ!" እናለ ይጽውዖ፡ እቲ ሽማግለ ድማ "ዝወደይ!" ዝብል ቅጽል ስም ይጥቀም። ስለዚ እምነቶምን ዓይነት ሰብኣውነቶምን ብዘየገድስ፡ ክልቲኣቶም ከም ኣቦን ወድን ኮይኖም ማሕበራዊ ክብርታቶም ክወሃሃቡ ይረኣዩ። ኣብነት ዝኾነና፡ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነቶም ክኸስዎን ንሞት ኣሕሊፎም ክህቦን ተሃንዲዶም ዝነበሩ ዕድመ ዝደፍኡ ሽማግለታት ናይ ኢዮርሳሌም፡ ኣብቲ መደያዪቦ ኮይኑ ክዛረብ እንከሎ፡ "ኣቱም ኣቦታተይን ኣሕዋተይን!" (ግብ22፥1) ኢሉ ዘረባ ከም ዝጀመረ ነንብብ ኢና። እዚ ድማ ኩሎም ብስጋ ስለዝወለድዎ ወይ ናይ እምነት ወለዱ ኮይኖም ወይ ድማ ኣባልገታቱ ኮይኖም  ዘይኮነስ፡ ሽማግለታትን ብዕድመ ዓበይትን ብምንባሮም ጥራይ'ዩ። ስለዚ ንሳቶም ከም ወለዱ፡ ንሱ ድማ ብስጋዊ ዕድመ ከም ዉሉዶም ይኸውን ኣሎ ማለት'ዩ።

ምንጪ ምስሊ ናይ ሓደ ጥዑይን ብሩኽን ሕጻን ካበይ'ዩ?

√ እጃም እግዚኣብሔር፡-
ነዚ ህጻን'ዚ ኣብ ማሕጸን ተመስሪሑ፡ ብሰላም ናብዛ ዓለም ክውለድ ዝገበረ እግዚኣብሔር'ዩ። ስለዚ ቀንዲ ዋንኡ ናይዚ ህጻን እግዚኣብሔር'ዩ፡ ነገር ግን ኣብዛ ዓለም ከም ፍቓዱ ሰራሕተኛታት ኮይኖም ነዚ ሕጻን ከዕብይሉ ዝኽእሉ ሰባት ድማ ይደሊ እግዚኣብሔር። ስለዚ ድማ ነዚ ሕጻን ባዕሉ ሰሪሕዎ ከብቅዕ፡ ንሰባት ኣቡኡን ኣዴኡን ኮይኖም ከዕብይሉ ብሓደራ ይህቦም።
 "ኣዕይንትኻ ድቂ ኸለኹ ረኣያኒ...መዝ139፣16)" ዝብል ጽሑፍ እኹል ኣብነት'ዩ።

√ እጃም ወለዲ፡
እዚ ሕጻን'ዚ ናብዛ ዓለም ምስ መጸ፡ ብቐረባ ዝፈልጦምን ጥዑይ መንገዲ ክመርሕዎ ዝኽእሉን እቶም ናይ ስጋ ወለዱ ኢዮም። ብፍላይ ድማ ኣዴኡ ኣብ ነጥበ መቐይሮ  ሕይወት ናይዚ ሕጻን ልዑል ሱታፌ ኣለዋ። ስለዚ እዚ ሕጻን ጥዑይን ናይ ኣምላኽ ሰብን ኮይኑ ክዓቢ እንተኾይኑ፡ ብመጀመርያ ወለዱ ጥዑያትን ናይ ኣምላኽ ሰባትን ንምኻን ቀዳምነት ይሓትት። እምበርከስ ድምር ሕይወት ናይ'ቲ ሕጻን ትርጉም ዝህልዎ፡ ኣብ'ቶም ብቐረባ ዝረኽቦም  ወለዱ ስለዝምብርኮስ'ዩ። ብፍላይ ሕጻን ናብዛ ዓለም ናጻን ፍልጠት ኣልቦን ኮይኑ ስለዝመጽእ፡ እቶም ኣብ ምሉእ ሕይወቱ ብግብሪ ዝንጸባረቑ ገጻቱ፡ ኩላቶም ኣብቶ'ም በብዕለቱ ዘንብቦም ነገራት ዝተመርኮሱ ስለዝኾኑ፡ ወለዲ ንመንፈሳውን ስጋውን ሕይወቶም ብብዙሕ ጥንቃቐታት ዝተቓመመ ክኸውን የድሊ። እዚ ማለት ቤቶም መሰረታዊት ቤት ትምህርቲ ናይ'ቲ ሕጻን'ያ። ስለዚ ዕለታዊ ጸሎት፡ ስግዳን፡ መዝሙር፡ ንስሓ፡ ምርድዳእ፡ ምብልላሕ፡ ስነልቦናዊ ልዝብ፡ ኣብ እዋናውያን ነገራት ምርኩስ ዝገበሩ ስነ-ሞጎታት (Daily Logics)፡ ኣካላውን ሞራላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ልምምዳት... ወዘተ ዝኣመሰሉ ነገራት ከም ዕለታዊ ጽሑፋት ኮይኖም ኣብ ሕይወት ወለዲ ክንበቡ ይድሊ ሕጻን።

√ እጃም ኣባ-ልገ
ኣባ ልገ ካብ'ታ ዕለተ ጥምቀት ናይ'ቲ ሕጻን ኣትሒዙ ክሳብ'ቲ ሕጻን እኹል ሰብ ዝኸውን፡ ብሓደራነት ስለዝቕበሎ፡ ብእምነትን መንፈሳዊ ስነ-ምግባርን ተኾስኪሱ ንክዓቢ ብዝከኣሎ ዓቕሚ ክዓዪ ይግበኦ። እዚ ክኸውን እንተኾይኑ ግን እቶም ወለዲ ናይቲ ሕጻን፡ ብቀረባ ክረኽብዎ ዝኽእሉ ኣባልገ ክመርጹ የድሊ፡፡ እቲ ኣባልገ ድማ ብቐረባ ክረኽቦን ዓቕሙ ዝፈቐዱ ክሕግዞን ዘይእል እንተኾይኑ፡ ካብ ንወለዲ ከሖጉስ ክብል፡ መጻኢ ሕይወት ናይ'ቲ ሕጻን ኣብ ሓደጋ ዘአቱ "ኣባልገ ክኸውን ኣይክእልን'የ!" ኢሉ በዓንተቡኡ ክኣቢ ይምረጽ።

√ እጃም ቤተክርስቲያን፡
ንሓደ ካብ ሓንቲ ክርስቲያናዊት ስድራ ዝተወልደ ሕጻን፡ ቤተክርስቲያን'ውን ኣብ'ዚ ናብ'ዛ ዓለም ዝመጸ ሓዱሽ ሕጻን ዘለዋ ሱታፌ፡ ብሚእታዊት ክረአ እንከሎ ኣብ ሰሙን ኣዝየን ሒደት መዓልታት እሞ ድማ ውሑዳት ሰዓታት ኮይነን፡  ማለት ሱታፌኣ 25% ጥራይ ዝሽፍን ብምኻኑ ኣዝዩ ውሑድ እ፡ኳ እንተኾነ፡ ካብ'ቲ ናይ ጥምቀት እትህቦም ኣገልግሎታ ጀሚርካ ክሳብ ፍጻሜ ሕይወቱ ናይቲ ሕጻን ዘይርስዑ ውዕለታ ትገብር'ያ ቤተክርስቲያን። ንዝያዳ ዕቤትን ቅድስናን ናይ'ዚ ሕጻን ዝምልከት ግን፡ ብተወሳኺ ቤተክርስቲያን ዘለዋ መርሓ ግብራት ይውሓዱ ይብዝሑ ብዘየገድስ፡ ንሕጻናት'ውን ከም ኩሉ ክርስቲያን ፍሉይ መደባት ክትሰርዓሎም፡ ንኣታዕባብዮኦም፡ ኣተሓሕዘኦም፡ ምስ ኣምላኾም ዘለዎም ናይ ፈጣርን ፍጡርን ቅርበት ዝያዳ ኣደንፊዓ ክትሰርሓሉ የድሊ። ሕጻናት'ውን ንኹሉ ነገራት ኣገናዚብካ ናይ ምኻድ ዓቕሞም ኣዝዩ ንእሽቶ ስለዝኾነ፡ ኣስተማሲሎም ካብ ኣምላኾም ከይጠፍኡን ተስፋ ከይቆርጹን፡ ከም'ቶም ዓበይቲ ደቂ ቤተክርስቲያን መዝሙርን ዝተፈላለየ መንፈሳዊ ነገራትን ከቕርቡ ከተተባብዕም፡ ፍሉይ ግዜ ክትሰርዓሎም ኣለዋ ቤተክርስቲያን።

√ ናይ ሕብረተሰብ እጃም፡
ሓደ ሕብረተ ሰብ፡ ጽቡቑነትን ዕብየትን ናይ ሓደ ሕጻን ዓቢ ተራ ይጻወት'ዩ። እቲ ሕብረተ-ሰብ፡ ኣዝዩ ነውረኛን ንርኽሰት ዝተቓለዐን እንተኾይኑ፡ ኣብ ውሽጢ'ዚ ሕብረተ-ሰብ'ዚ፡ ዝበቁል ሕጻን ብኡኡ ክጽሎ ዘለዎ ተኽእሎ ኣዝዩ ዓቢ'ዩ።በንጻሩ እቲ ሕብረተ-ሰብ ንኹሉ ሰናይ ነገራት ገስጋሲ ተኣኮይኑ ድማ፡ እቲ ሕጻን ነዚኣቶም እናንበበን እናተመገቦምን ስለዝዓቢ፡ በዞም ጽቡቕ ነገራት'ዚኣቶም ክጽሎ ግድነት'ዩ። ኣብነት ክኾነና፡ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ቅድሚ 90ታት ዝነበረ ሕዝብና እንተርኢናዮ፡ ንሓድሕዱ ዓገብ ዝበሃሃልን ደቂ ጎረባብቱ ከም ደቁ ገይሩ ገኒሑ ዘዕብን ስለዝነበረ፡ ሓደ ሕጻን ኣብ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ሰብ ሕማቕን ኣጸያፍን ነገር ክገብር ኣይክእልን'ዩ። እንተገይሩ ድማ፡ ካብ ከባቢኡ ዓገብታን መግናሕትን ክመጾ ምኻኑ ይፈልጥ ስለዝኾነ ንኹሉ ዝመጾ ቆይቂ ከም ቅቡል ገይሩ ይወስዶ ነይሩ። ስለዚ ይሕመቕ ይጸብቕ ብዘየገድስ፡ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ርእሱ ዝኸኣለ፡ ዓቢ መጽሓፍ ናይ ሓደ ሕጻን'ዩ። እዚ ማለት ከኣ ሕብረ-ተሰብ ሓደ ካብቶም ንውድቀቱን ትንሳኤኡን ናይዚ ሕጻን ዋና ጸለውቲ ዝኾኑ ነገራት ብምኻኑ፡ እወታዊ ኣበርክቶ ኣብ ሕጻናት ክገብር ኣድላዪ'ዩ።


ንኣብነት፡- ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ስደት ንነብር ኣለና፡፡ ንሓድነትናን ጥምረትናን ዝምልከት እካ ኣዝዩ ኣሰካፊ እናኾነ'ዩ ዝኸይድ ዘሎ። እንተኾነ ንሕና "ካብቲ ጽቡቕ'ዩ!" ኢልና ብልብና እንሓስቦ ነገራት ተፈሊና ንነብር ስለዘለና፡ ኣብ ክንዲ ንሓድሕድና ንናኸስን ብዓይኒ ጽልኢ ንጠማመትን፡ ንኹሉ ነገራትና ኣወንዚፍና፡ ከም ቀዳምነት ሕጻናትና ከምቶም ንሕና እንደልዮም ዓይነት ሰባት  ኮይኖም መታን ክዓብዩልና፡ ብሕብረት ስለ እዞም እንወልዶምን እነዕብዮምን ዘለና ሕጻናት ኣመልኪትና ሓባራዊ እጃምና ከነበርክት ኣድላዪ ኢዩ። ከም ሓባራዊ ዘተ፡ ንሕጻናት ዝውክሉ ፍሉያት ኣርእስታት፡ ሽግራት ሕጻናትን ብድሆታቶምን፡ ብዛዕባ ባህሎምን ኣምልኾኦምን. .. ወዘተ ኣመልኪትካ ፍሉይ ግዚያት እንዳመደብካ ሓቢርካ ክስረሓሉ ዝግበኦ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር'ዩ።

√ መንግስትን ኣካዳምያዊ ትምህርትን፡-
ብዙሕ ግዜ ወለዲ፡ "ደቅና ትሕቲ ሰቦም ከይተርፉ" ብዝብል ሰነፍ ኣተሓሳስባ ንደቆም ካብ መንፈሳዊ ነገራት ከም ዝፍለዩ ብምግባር፡ ብዝያዳ ኣብ ኣካዳምያዊ ነገራት ጥራይ ኣተኩሮ ንክገብሩ ኢዮም ዝረኣዩ ወለዲ። መንግስቲ ንኣካዳምያዊ ትምህርቲ ከም ሓደ ዓቢ ነጥበ-መቐይሮ ናይ ምዕባለ ገይሩ ስለዝሓስቦ፡ ናይ'ቲ ሕጻን ድሕረ-ባይታን መንነትን ከየገደሶ ብምሉእ ዓቕሙ ኢዩ ዝዓየሉ። ማለት እቲ ሕጻን ካብ ወዲ 2-3 ዓመት ናይ መዋእለ ሕጻናት ጀሚሩ ክሳብ ዩኒቨርስቲ ወዲኡ ብሓደ ዓውደ ትምህርቲ ዝምረቕ፡ ብዝከኣሎ ከቢድ ዋጋ እንዳኸፈለ ይዓዪ ማለት'ዩ መንግስቲ። ብፍላይ ኣብ'ዚ ምዕራባዊ ዓለም ንሓደ ሕጻን ተባሂሉ ዝስላዕ ባጄትን ክሳብ ትምህርቱ ዝውድእ ዝግበረሉ ኣካዳምያዊ ቀረባትን ኣዝዩ ልዑል'ዩ። ኣብዚ እምበኣር ንሓደ ክርስቲያናዊ ሕጻን፡ ቤት ትምህርቲ ካብ መንፈሳውያን ነገራቱ ንክሃድም ዓበይቲ ተጽዕኖታት ክትኮኖ ባህርያዊ'ዩ። ምኽንያቱ ገለ ገለ እኳ ንዑኡ ዝመስሉ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ክረክቡ ዝኽእሉ እንተኾነ፡ ዳርጋ 90% መምሃራኑን መማህርቱን ግን ኩሎም መንፈሳውያን ኣይኮኑን፡፡ ስለዚ እዚኣቶም መዓልታዊ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወቱ ሕቶታት ክፈጥርሉ ይኽእሉ ኢዮም። በዚ መሰረት ንሕና ክርስቲያን "እዛ ኣካዳምያዊት ቤት ትምህርቲ  መፈሳዊት ነገራት ጥራይ ክግበረላ ኣለዎ፡ ወይ ድማ መንግስቲ መንፈሳዊ ነገራት ከተኣታቱ ነይርዎ!" ኢልና ክንወቅስ ኣየመልክዓልናን'ዩ። ምኽንያቱ እቲ መንግስትን እታ ቤት ትምህርትን ዝሕሾም መሪጾም ኢዮም ዘአንጉዱና ዘለዉ፡ ንሕና ግን ነዚ ዕድላት'ዚ ተጠቒምና ከም ኣደ ሙሴ ኣብ ጽቡቕና ከነውዕሎ ኢዩ ዘድሊ እምበር ብገዛእ ስንፍናና ክንከስሮ ኣይግበኣናን'ዩ። ማለት ኣብ ክንዲ ነቲ ንሕጻናትና ዕለታዊ ዘጋጥሞም ጸገማት ብዓይነ ጥበብ ምምርማር፡ ዕለታዊ መፍቲሕታት ከነናዲ ምጽዓር፡ "ትምህርቲ ከይሓምቁለይ!" ብዝብል ምስምስ፡ እቲ ዘጋጥሞ ተጽዕኖታት ከይኣክል፡ ንባዕልና ኣብ ስጋዊ ነገራት ጥራይ ድፍኢት ንኽገብሩ ንጽዕረሉ ኣጋጣሚታት ኣብ ገለ ወለዲ ትርኢ ኢኻ። ኣደ ሙሴ ከም ኣብነት ተወሲድና፡ ወዳ ኣብ ቤተ ነገስታት፡ ኣብ ቤተ-ፈርዖን ኢዩ ዝዓቢ ነይሩ፡፡ ነገር ግን "ወደይ ትምህርቱ ከይሓምቕ!" ኢላ ከየማሳመሰት፡ ዕለታዊ ብዛዕባ ኣምላኻን ንሳ እትኣምኖ ፈጣርን ትምግቦ ነይራ። ምስ ጎበዘላ ድማ ብስጋውን መንፈሳውን ነገራቱ ኣዝዩ እኹል ሰብ ከም ዝኾነላ ንርኢ።

√ መደምደምታ፥-
ኣብዚ ኩሉ ዝበልናዮ ምንጪ ናይ ቅድስና እግዚኣብሔር፡ ምንጪ ናይ ርኽሰት ድማ ዲያብሎስ'ዩ። እግዚኣብሔር ንኹሎም ደቁ፡ መንገዱ ካብ ምርኣይን በብዘለና ዓቕሚ ቅድስንኡ ካብ ምሕባርን ኣቃሪጹ ኣይፈልጥን'ዩ፡ ብሕጂ'ውን ፈጣሪ ክሳብ ዝኾነ ንዓና ካብ ምሕጋዝ ኣይከቃርጽን'ዩ። እረ ኣብ ገለ ገሌኡ እዋናትሲ፡ ባዕሉ ኣገልገልቱን፡ ተለኣኣኽቱ ንክኾንዎ ገና ከይተወልዱ እንከለዉ ዝመርጾም፡ ብትንቢት መልክዕ ድማ ንወለዶም፣ " ቆልዓ ክትወልዱ ኢኹም'ሞ፡ ንዓይ ክኸውን'ዩ!" ኢሉ ዝገልጸሎም ወለዲ ኣለዉ፡፡ ከም እንበዓል ቴክታን በጥሪቃን፡ ሃናን ኢያቄምን ማለት'ዩ። ንገለ ገለ ሕጻናት ድማ ብፍሉይ ምልክት ተወሊዶም ናቱ ኮይኖም ከምዝዓብዩ ዝገብሮም ኣለዉ፡ ከም እንበዓል ቅዱስ ኖህ፡ ቅዱስ ገበብረ መንፈስ ቅዱስ፡ ኣቡነ ተክለሓይማኖት። እዞም ዝተጠቕሱ ቅዱሳን ኣብቲ ዝተወልድሉ ግዜ ሰብነቶም ብብርሃን ኣንጸባሪቑ፡ ንስሉስ ቅዱስ ኣምልኾን ስግደትን ዝሃቡ ምንባሮም ገድሎም ይነግረና ኢዩ።

+ በንጻሩ ድማ ሰይጣን፡ ናቱ ባሮት ንክገብረና ብዘይ ምስልካይ፡ ነቶም ዓይኒ ናይ ሓደ ሕብረተ-ክርስቲያን ዝኾኑ ሕጻናት ክወስዶም ብዝከኣሎ ይጽዕር። ምኽንያቱ ንሕጻናት ኣብ ትሕቲ ናቱ ምርኮ እንተእቲዎም፡ ካብቲ ሕጻን ዝውለዱ ወለዶ ብዝበዝሐ ሚእታዊቶም ብመቑሑ ከምዝቑረኑ ስለዝፈልጥ'ዩ። ካብዚ ንከንምልጥ ግን ንሕና እቶም ኣብ ሕጻናት ሓላፍነትን እጃምን ዘለና ኣካላት ብልዑል መንፈሳዊ ሓይሊ ክንሰርሓሉ የድሊ።

እግዚኣብሔር ሕጻናትና ናይ በረኸት ሕጻናት ገይርና ንከነዕብዮም፡ መንፈሳዊ ጥበብን ምስትውዓልን ይሃበና!!
ምስጋና ንሥሉስ ቅዱስ!!

ሕቱም-መጽሓፍ

lørdag 14. september 2019

ዘመን ፍጡር ኮይኑ ንፍጡራን ጠቐመ!



ዘመን ፍጡር ኮይኑ ንፍጡራን ጠቐመ

√ በስመ ሥላሴ!

√ ዘመን ፍጡር'ዩ፡ ክፍለ-ዘመን'ውን ኢድ እግዚኣብሔር'ያ ሰሪሓቶ፡፡ ዓመታት ኩላቶም ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሔር ቁጹራት'ዮም፡ እዚ ድማ ባዕሉ ፈጣሪ ስለዝሰረሖም'ዩ፡፡ ኣዋርሕ፡ ሰሙናት፡ መዓልታት፡ ለይትታት፡ ሰዓታት፡ ደቓይቕ፡ ካልኢታት ኬክሮሳት ኩላቶም፡ ከም ኩላቶም ፍጥረታት ካብ ጥንቲ ኣብ ሕልንኡ ተዓቒሩም ዝነበሩ፡ ድሓር ድማ ኢድ እግዚኣብሔር ዝሰረሐቶም ፍጡራት'ዮም። ፍጡራት ብምኻኖም ከኣ፡ ንዓና ንፍጡራን ከም ንጥቀመሎም ገይሩ ሃበና እግዚኣብሔር።
ኣብ'ዚ ዓንኬለ-ተጠቃምነት'ዚ ክንዮ ሰብ ሓሊፍና፡ እንሲሳታት ከይተረፈ ብግዝያት ተጠቀምቲ ኮይኖም ምህላዎም ከነስተብህል ክኢልና ኣለና። ንኣብነት  እነገሊኣቶም እንሲሳታት ለይቲ ቀትሮም፡ እነገሊኦም ድማ ቀትሪ ለይቶም፡ ገሊኣቶም ብርሃን ጸልማቶም፡ እነገሊኦም ድማ ብዘይብርሃን ተወር ክብሉ ዘይክእሉ ኮይኖም ተፈጥሩ። እዚ ድማ ዘዕርፍሉን ዝምእርሩሉን ግዜ ፈሊጡም ይጥቀሙ ምህላዎም'ዩ ዘረድእ።

√ ደቂ ሰባት ንዘመናት ክድነቑዎምን ከኽብርዎምን እንከለዉ፡ ፍጡራት ምኻኖም ዘንጊዖም ኣይኮኑን። ብፍላይ ገለ-ገሊኣቶም ዕለታትን ዓመታትን፡ ኣብ ልቢ ደቂ ሰባት ፍሉይ ክብርን ጦብላሕታን ሃይልይዎም፡  ኣብ ኣእምሮ ደቂ ሰባት ከኣ ዓቢ ቦታ ረኺቦም ክንርኢ እንከለና፡ ወዲ ሰብ ንዘመናት ልዕሊ ፈጣሪ ገይሩ ስለዝሰረዖም ወይውን ኣብ እግዚኣብሔር ዘለዎ ኣምልኾ ስለዝተዛበዐ ኮይኑ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ንዘመናት ክሓስቦም እንከሎ፡ ንዖኦም ዝሰረሐን ዝሰረዐን ፈጣሪ ኣብ ኣእምርኡ ስለዝቕጀሎ'ዩ። ፍሉያትን ክቡራትን ዕለታት ንሓድሕዶም ዝበላለጽሉ ምኽንያት፡ እግዚኣብሔር ኣበላሊጹ ስለዝፈጠሮም ዘይኮነስ፡ ኣብ በበይኖም ግዜያት በበይኑ ዝኾነ ዓበይቲ መንፈሳዊ ክብርታት ከምዝኽሰቱ ስለዝገበረ'ዩ። ኩላቶም ዕለታት ከም ኩሉ ፍትረት፡ ክብርን ዕብየትን እግዚኣብሔር ዝትርኹ ዓበይቲ ተነበብቲ መጽሓፍቲ እካ እንተኾኑ፡ብፍላይ ገለ ገለ ዕለታት ግን፡ ኣብ ርእሲ'ቲ ከም ኩሎም ዕለታት ዘለዎም ክብሪ፡ ፍሉይን ጉሉሕን ፍጻሜታት እግዚኣብሔር እናዘከሩ ባርኾቱን ጸጋታቱን እንቕበለሎም ኮይኖም ኢና እንረኽቦም። ከም ኣብነት፡- ዘመነ ዮሓንስን፡ ዓውደ-ዓመት ቅዱስ ዮሓንስን፡ ወርሐ መስከረም ዕለት ሓደ ዕለተ ሰንበትን፡ ሓደ ካብቲ  ዓበይቲ ጥቕምታት ናይ ዘመናት፡ ንደቂ ሰባት ዝህብዎ ዓቢ እጃሞም ተዘኪሩ፡ ብኡኡ መጠን ድማ  እዞም ከም ኣብነት ዝተጠቕሱ ዕለታት'ዚኣቶም ዝፍንውዎ ዓቢ መንፈሳዊ ቃጭል  ከምዘሎ ኢና ነስተብህል።

√ ግዜ ነዊሕን ተመጣጥን እካ እንተኾነ፡ ዝውደኣሉን ዝሓለፈሉ እዋን ግን ኣሎ። ከምኡ ተዘይኮውን ነይሩ፡ መዓልቲ ኣይመስን'የ፡ ኢላ ወትሩ መዓልቲ ምኾነት፡ ለይቲ'ውን ኣይወግሕን'የ፡ ኢላ ወትሩ ንጸልማትነት ምመረጸት። ወቕትታት ናይ ዓመት፡ ከረምቲ፡ ቖውዒ፡ ሓጋይ ፅድያ፡ ከከም ግዚኦም ክሓልፉን ክቀዳደሙን ኣይምተበረሆምን ነይሩ። ኩላቶም ግን ሓለፍቲ ምኻኖም ንክትርኹ ዝተቐረቡ እንክመስሉ ዝተመደበሎም ሰዓት መምስ ኣኸለ ይውለዱን ይሓልፉን ኣለዉ። ኣብ ታሪኽ ተፈጥሮ፡ ግዜ ብክልተ መልክዕ ክምዘኑ ይከኣሉ ኢዮም። ቅድሚኡ ግን ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ዘሎ ንውሓተ ዘመን ጽማቕ ርድኢት ክህልወና ባህርያዊ'ዩ፡፡ እዚ ማለት፡ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ዝነበረ እዋን፡ "በዚ ዕለት'ዚ በዚ ግዜ'ዚ!" ተባሂሉ ክንገር ኣይከኣልን'ዩ። ማለት ዕለትን ግዜን የብሉን። ምኽንያቱ ግዜ ኣይተፈጥረን ነይሩ። ግዜ ስለዘይነበረ ግን ፈጣሪ ኣይነበረን ማለት ኣይኮነን። ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ፡ ንጅማሬ ፈጣርን ፍጥረትን ከሰማምዕም እንከሎ፡ "ብመጀመርያ ቃል ነበረ" ኢሉ ወንጌሉ ፈለመ። "ቃል መዓስን ኣበየናይ እዋንን'ዩ ነይሩ?" ኢልና ሕቶ እንተልዒልና ግን መልሲ የብሉን። ምኽንያቱ ቃል ፈጣሪ'ዩ፡ ፈጣሪ ድማ ጥንታውነቱ ኣይፍለጥን'ዩ። ስለዚ እታ "መጀመርያ" እንትብል ሓይለ ቃል፡ መጀመርያ ዘየብላ መጀመርያ ማለት ምኻና ግሁድ'ዩ።  በዚ መሰረት ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ንዘሎ ዘይቁጸርን ንህልውና ፈጣሪ ጥራይ ዝውክልን መጀመርያ ዘየብሉ ግዜ'ዩ።

√ ቀጺሉ ቅዱስ ዮሓንስ ፡"ብኡኡ ኩሉ ኮነ!" ኢሉ፡ ኩላቶም ፍጥረታት ንግዜ ምስኣቶም ሓዊስካ፡ ዝፈለምሉ ጅማሬ ከምዘለዎምን፡ ፈጣሪኦም ድማ ቃል ምኻኑን ነገረ። ካብ'ዚ እዋን'ዚ ጀሚርና ድማ ደቂ ሰባት፡ ታሪኽን ኣመጻጽኣን ፍጥረታት ክንትንትንን ክንመሃርን ክኢልና። እዚ ዘመን'ዚ ፍጡር ብምኻኑ ዝተገደበ ዕድመ ሒዙ ይርከብ፡ ማለት ቀዳማይ ግድቡነቱ ክሳብ ምጽኣተ እግዚኣብሔር'ዩ። ካልኣይ ግዱብነቱ ድማ ድሕሪ ምጽኣት ዘሎ ግዜ 'ዩ። ክሳብ ምጽኣተ ክርስቶስ ዘሎ ዝመን፡ ነነፍሲ ወከፍ ዕለታት፡ ብዘይካ ኣስማቶም ጥራይ ተመሳሳሊ ክኾኑ ተዘይኮይኑ፡ ነናይ ገዛእ ርእሶም መልክዕን ውቃበን ሒዞም ከምዝህሉ ኢዩ ገይሩ እግዚኣብሔር።

√ እቲ ሓደ ድማ፡ ድሕሪ ምጽኣት እግዚኣብሔር ዘሎ ዝመንዩ። እዚ ድማ ምስ'ቲ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም  ዝነበረ ዘመናት ክመሳስል ይኽእል'ዩ። ማለት ምንም እካ ጅማሬ እንተለዎ መወዳእታ ግን ዘየብሉ ብምኻኑ ጫፍ ንውሓተ ዕድሜኡ ከመሳስሎ ይኽእል'ዩ። መወዳእታ ስለዘየብሉ ግን ድሕሪ ምጽኣት ክርስቶስ ዘሎ ዘመን እግዚኣብሔር "ክልክዖ ኣይክእልን'ዩ!"  ክንብል ኣይከኣልን። ምኽንያቱ ርሑቕ ከይከድና ንሕና ደቂ ሰባት እካ፡ "ድሕሪ ምጽኣት ዘሎ ዘመን፡ በዚ ግዜ'ዚ'ዩ ጀሚሩ!" ኢልና ክንትርኽ ኢና። ድሕሪ ምጽኣት ቆጺርካ ዘይውዳእ፡ ሓንቲ መዓልቲ ኮይኑ ዝቕጽል'ዩ። እዛ ዕለት እዚኣ ሊቃውንት ቤተክርስትያን "ሰንበት ኢያ" ይብሉ። ማለት ኩሉ ግዜ ቅዳሴ፡ ወትሩ ምስጋና ወትሩ ስባሔ ወትሩ ኣምልኾ ኢዩ ክህሉ። ኣብ'ቲ ሓደ ዓለም ማለት ናይ ሓጥኣን ስፍራ፡ ኣብ ገሃንመ እሳት ድማ ወትሩ ስቅያት ብዘይዕረፍቲ ኣውያት ኢዩ ክኸውን። ኣብ ክልቲኣቶም ዓለማት፡ ኣብ መንግስተ ሰማያትን ኣብ ገሃንመ እሳትን ግን፡ ገደብ ዘየብሉ ዘመን ኢዩ ክኸውን። እግዚኣብሔር ኣምላኽ፡ ብንስሓ ተሓጺብና ኣብ ቅድሚኡ ዘይትሓፍር ነፍሲ ክዕድለና፡ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን።
ወስብሐት ለእግዚኣብሔር!
ሕቱም-መጽሓፍ!

ኣነ ግዳ ውሉድካ ንክናኣናዊት'ኳ ዝመሓርካ...

 በስመ ሥላሴ ኣብራም'ዩ ግብረይ ኣብ ካራን ምንባረይ ሃብታም'ዩ ሰፈረይ ብዘመናዊ ስራይ ኣብኡ'የ ዝወድቕ ይሃጥር ብስጋይ ሓሽከት ሓጣውእ ይበራረዩለይ ገንዘብ ሶዶም ክኸስብ ገንዘብካ ይስእኖ እናሻዕ ይንኖ...