በስመ ሥላሴ ይቀጠቀጥ ከይሲ!
- ሓታቲ
- ቀልሃ፦
- ሓታቲ፦
- ቀልሃ፦
- ሓታቲ፦
- ቀልሃ፦
- ሓታቲ፦
- ቀልሃ፦
- ቀልሃ፦
- ሓታቲ፦
- ቀልሃ፦
ደላሊ ሰብ!
በስመ ሥላሴ!
ኣደይ ሃንሱ ኲሊተን መሽሚሹሰሚዐን ወደን ንወጻኢ ሒዝወን ጌሹወጻኢ ምስ መጻ ብህጹጽ ኲሊት ከምጻሓቢርወን'ዚ ጻዕዳብተሎ ክዕድጋ'ቲ ፈለማ ደንጺወን ጣቋ ድዩ ዕውንዋኖ'ዚ ብህሎ ኴንወን ስውንዋኖዳሕራዩ ግን'ለካ ተሰዊጥወንዕዳጋ-ሰብ ብደላሎ ከም ዘሎእቲ ኣብ ጎዶቦ ዝዕለሎ ኲሉ ተቐጅልወንመማጽኢ ዓደቦ ደሊሉ ዘዋሰበንብቅዱስ መውስቦ ዘምሰለንሕጂ ንብዓት ዝሕለቦ 'ዚ ውሽጠንምስ ደላሎ ኰላሊት ክራኸብ'ዚ ወደንክሕልናአን ከመይ'ሉ ይኾነለን"ደላሊ'ና ደለለ'ይሰርሕ ኣለኹ!' በለሰብ ሸይጡ ኣካል ሰብ'ና ኣጒደለንኲናት ወጢጡ ጀዓዮ'ና 'በለኣጽዋር ኣሻይጡ ሰብ'ና ኣቕተለ' ኣስርሑኒ!ብሞያይ ኣይትምጹኒ' በለእናተባህለ ዝዕለሎስ ለካ ፍጻሜኡ'ነሀለ"ኢለን ኣስቈርቈራ ፈጣሪኤን'ና ዘከራዓመታት ብዘይ ቋቊራ ካብ ነበራሕጅስ ምስ ሞት ደኣ እቋጸራእምበር ኲሊት መን ከየንቊራወደን'ውን ነጊርወን ካልእ'ና ወሰኸለካ ንሱ ብንእሱምስ ደላሎ ፖሎቲካ ከምዘዓረኸታሪኽ'ቲ ውዕሎ ሕይወት ሰብ ዝደሃኸንዂሉ ብጥቕልሉ ተንቲለን እናስካሕከሐብዛዕባ'ቶም ዝሽየጡ ዝሻየጡ'ቶም ንዮ ዝዂየጡ ኣፍረይቲ ጠበናጁብዛዕባ'ቶም ታንክታት ቢኤማት ዝሕርጁብዛዕባ'ቶም ሃንደስቲ ውግእ ጁባኦም ዘርጒዱፍርያቶም ንምሻጥ የእሚኖም ኲናት ዘእውጁብዛዕባ'ቶም ንሽጉጥ ብሰብ ዝለዋወጡዓይነቱ ዕዳጋ ደላሎብዙሕ ምዃኑ ነጊርወን ወደን ነቲ ዝወዓሎወደን ዓርኪ ደላሎ!ዝበዝሑ ተደለልቲ ተገሪሆም ከይፈለጡኣብ ዕዳጋ ከም ናውቲ ይዕደጉ ይህንቈጡተኾይንሎም ብዳንጋ ካብ ዕዳጋ የምልጡወይ'ውን በኣጋ ሰልዲ ዋጋ ስጋ ይሸማጥጡመለኸት ይነፍሑ ንዂሉ ከስምዑኣካሎም ብምጅልሑ ንሰማዒ 'ና ኣሰክሑደም 'ናነብዑ ዘመዶም ይኲሕኲሑ"በጃኹም ዘመድ-ሰብሰብ ይበልጸኩም ካብ ገንዘብጥሪትኩም ለግሱብፈጣሪ ኣብ ላዕሊ ክትከሓሱ!"እናሉ ብዕሊ ደም ምስ ንብዓት'ናኸስከሱካብ መቚሕ ደላሊ ሕይወቶም የውሕሱ'ተዘይኮነሎም ግን!ደሞም ተተኸስኪሱ ትሓልፍ ሕይወቶም ብተሎኲሊቶም ተተበንጢሱ ይሽየጥ ብደላሎንበዓል ኣደይ ሃንሱ ዝመስሉድማ እርጋኖም ከንእሱምስ ደላሊ ክወዓዓሉይዕድግዎ ድሪሞም'ና ኸፈሉደላሊ ሰብ!
![]() |
ብፈረንጂ 17.05.2016 ተጽሕፈ
ኣብ ሓደ ቦታ'ዩ። ባርቤሪ ኣዳልዩ ንብዙሕ ግዜ ናይ ጸግሪ ምስትኽኻል ልምዲ ዝነበሮን፡ሰሰሪሑ ምግበ እቶቱ ዘእቱን ብዛዕባ ዝነበረ ዛንታ ሓደ ቀምቃሚ ከካፍለኩም። ፍሉይ ሜላ ናይ መስሕብ ዓማዊሉ ዘገርም'ዩ። ክቕምቅም ከሎ ብዙሕ ዝተፈላለየ ሕሜታ እንዳ ኣምጸ'ዩ ንነፍሲ-ወከፍ ተቐምቃማይ ከምዝዘናጋዕን፡ካብ ትኽስተ-ምስልቻው ከምዝገላገሉን ዝገብሮም ነይሩ። 'ሕሜታዶ ካብ ትኽስ የድሕን ኢዩ፡ሕሜታዶኸ ዓማዊል ከምዝውሕዙ ይገብር'ዩ፧' ዝብል ምጉት ይመጻኩም ይኾውን ኢዩ። ኣነውን ከማኹም እዚ ክትዕዚ ምስ ነብሰይ ብዙሕ ግዜ ወሪደ ደይበሉ ኢየ።
ክገርመኩም ግን ብዙሓት ቀምቃሞን ቈናኖን፡ ዓማዊል ብኸምኡ ዝመጹ ዝመስሎም ኣይሰኣኑን ይኾኑ። 'እዋይ ዕላሉ ክጥዕም' ተባሂሎም ብዓይኒ ብዙሓት መታን ክበሃጉ፡ 'ዓማዊል ቶስ ቶስ ከብል ዝኽእል ሕሜታ ምስትነግር ጥራይ'ዩ' ዝብል እምነት ዘለዎም ኣብዛ ዓለምና ኣበይ ከሰኣኑ! ብዙሓት ቆናኖውን ከምኡ። 'ኢድ ይባረኽ፡ ክንደይ ትቑንን ጓለይ፡' ተባሂለን መታን ክነኣዳሞ፡ እቶተተን ክኽዕብት በበይኑ ዓይነት ሕሜታ እንዳምጻኣ ናይ ምሕማይ ተመኩሮ ዘለወን ኣይሰኣናን ይኾና። ብኻልእ ገጽውን ካባይ ጀሚርካ ብዙሓት ኣይሰኣኑን፡- 'ጡዑም ዕላሉ' ተብሂሉ መታን ክንገረሎም ንሕሜታ ዘይስልክዩ። 'ኣነ ጥራይ ክዛረብ ኩሉ ሰብ ግርምም ኢልዎ ክሰምዓኒሲ ክሓሚ ኣሎኒ ኢሉ፡ድግዲጊት ተዓጢቑ ንምሕማይ ዝተዋፈረ ሰብ ዓለምና የዕለቕሊቕዋ ኣሎ። 'ቲ ቀድምሲ ሕሜታ መብዛሕትኡ ግዜ ንደቀንስትዮ ኢዩ ዝወሃብ ነይሩ ክበሃል ይሰምዕ'የ፡፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ወይ ቀብሪ ከይተረፈ ብልሳነን ምሕማይ ዕድል እንተተሳኢኑወን፡ እንዳረምጠጣ ውሽጣዊ ድሌታተን ሕሜታ ምኻኑ ዘግህዳ ኣንስቲ ጥራይ ከምዝነበራ ይዝንቶ ኢዩ። ሎም-ሎም ግን ወዮ ምሕማይ ኣንፈቱ ዝቐየረ ይመስል።
ለካ ሕሜታስ ብምዝራብ ጥራይ ዘይኮነ ብምርምጣጥ'ውን ይሕመ ኢዩባ፡፡ ከናፍር ብምርምጣጥ ጥራይ ዘይኮነ ድማ ብሕልና ከኣ ይሕመ ኢዩ፡፡ ሰብ ኣፉ ከይተዛረበ ብልቢ ክሓሚ ይኽእል ኢዩ።እዚ ኲሉ ግን ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ቅቡል ዘይምዃኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ዘይኮነስ ሕልና ሰብውን ዝምስክሮ ሓቂ'ዩ። ሕሜታ "ኣብተን ዳሕረዎት ዘመናት ብብዝሒ ክረኣዩ ኢዮም፡" ተብሂሉ ብትንቢት ካብ ዝተነግረሎም ሓጣውእ ሓደ' ዩ፡፡ ክንሓሚ ከምዘይብልና ጥራይ ዘይኮነ ድማ፡ ዋላ ምስ ዝሓምዩ ሰባትኳ ኮፍ ኢልና ክንሰምዖም ግቡእ ዘይምዃኑ ቅዱስ ጳውሎስ ኮለገና ይነግር።(1ጢሞ3፥1-5 ተመልከት) ደቂ ሰባት ግን፡ ካባይ ጀሚርካ እንዳሰማዕና ኣይሰማዕናን።
ክቡራት ኣንባቦ፡ 'እንታይ'ዩ ክብለና ደልዩ' ትብሉ ትህልዉ ኢኹም፡፡ብፍላይ ቀምቃሞን ቆናኖን፡፡ ኣንፈት ጽሑፈይ እንተላይ ንዓይ ዘካተተ ምዃኑ ኣቐዲመ ክፍለጠለይ ይደሊ።
እዚ ብዛዕብኡ ኣቐዲመ ክትርኸልኩም ዝጀመርኩ ቀምቃማይ፡ ዳርጋ መብዛሕትኦም ዓማዊሉ በቲ ንሱ ዝህቦም ዝነበረ በበይኑ ዓይነታት ሕሜታታት ተሳሒቦም ኢዮም ዝመጹ ነይሮም። እምበር ናይ ምቕምቃም ጥበቡ ስለዝሰሓቦም ኣይኮነን። እምበኣር ሕሜታ ናበይ ከምዘውድቕ ንመልከት፥-
ቀምቃማይ ከምልማዱ፡ ንሓደ ተቐምቃማይ 'ጽብቕቲ ሕሜታ'ያ' ኢሉ ኣዳልዩዋ ዝወዓለ፡ ዳርጋ'ውን ሓንቲ ሕሜታ ምሉእ መዓልቲ ተውዕሎ ብምምባራ፡ " ከላእ፡ ኣነሲ ካብ ሎሚ ጀሚረ ኣምላኽ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን ኢየ!" ኢሉ ዕላል ጀመረሉ። ጽባሕ ከኣ ካልእ ሓዱሽ ዕላል'ዩ ከምጽእ። ድሕሪኡ ድማ ካልእ... እንዳበለ'ዩ ዓማዊሉ ዘእንግድ ነይሩ። ተቐምቃማይ ሃንደበት ስለዝኾኖ ሰምበደ፡፡ "እዋእ! እንታይ ትብል ወደይ፡እሂ ደኣ ከምኡ ኢልካ" በሎ ብኣግርሞት። " ረኣዮ እንዶ፡ኣምላኽ ተዝህሉስ፡ሰባት ንሰባት እሞ ድማ ንመሳኪን ከምዚ ገይሮም፡ከጋፍዕዎም፡ክቐትልዎም፡ክሓርድዎም! እረ ስቕ በል በጃኻ፡፡" መረረኡን ኣብ ኣምላኽ ዘለዎ ቅሬታን ደርጒሓሉ። ከም ኣነጋግርኡ፡ "ሓጢኣት እንዳተገብረ ስለምንታይ ኣምላኽ ስቕ ኢሉ ረኣየ" ንምባል'ዩ።
"እዚ ስጋ ኢልና ካብ ደዃኲን ዓዓዲግና ንበልዖ ዘለናውንኮ" ቀጸለ ቀምቃሚ፡፡ "ህ!"በለ ተቐምቃሚ ብትዂረት።
"መን ይፈልጥ ስጋ ሰብ ተኾነ፡፡ ናይ ሰብ ክፋእ ጥርዚ በጺሑ ንርኢ'ለና። ሰብ ነንሕድሕዱ ክተሓራረድ፡ ኣብ ሓዊ ንሰብ ዝኣክል ፍጡር ክጠብሶ፡ ከመይ ዝበለ ግፍዒ እንክፍጸም፡ ኣምላኽ እንተልዩሲ ስቕ ኢሉ ክርኢ ኢልካ ትሓስብ፧ እሞ በዚ ሎሚ ዘመን ደኣ፡ 'ንስጋ ሰብ፡ ስጋ በጊዕ'ዩ' ኢልካ ንምሻጥ መን ይኽልክሎ ንሰብ! ኣነ ብኡነት እዞም፡ ኩሎም ሸቃጦ ሰብ ደዃኲን፡ ዘለዎም ሃብቲ፡ ውጽኢቱ ካብቲ ክፋእ ተንኮሎም ዘዋሃለልዎ'ዩ፡' ናብ ዝብል ድምዳሜ በጺሐ'የ፡፡ንሰብ ኲሊቱ ኣውጺኻ ምሻጥን ምዕዳግን ዘይተጸገመስ፡ ስጋ ሰብ ጥሒንካ፡ ኣብ መዐሸጊ ዓሺግካ፡ 'ጥሑን ስጋ በጊዕ'ዩ' ዝብል ጽሑፍ ለጢፍካ ምሻጥ እንታይ ከይእግሞ ኢልካዮ ንሰብ። ኣምላኽ ተዝህሉስ በል ነዚ እንዳረኣየ ከመይ'ሉ ስቕ ኢሉ ይርኢ ኣምላኽ።"
ቀምቃማይ ነዛ ዘረባ ምሉእ መዓልቲ መምስዝመጹ ዓማዊል ክጥቀመላ ስለዝወዓለ፡ ሓደ ሰብኳ ዝቃወሞ ኣይረኸበን ነይሩ፡፡በንጻሩ ደኣ "እዋእ! ሓቅኻ፡ ወረ እንዳእገለሲ ከምዚ ከምቲ'ዮም ዝገብሩ" ብምባል ነቲ ሕሜታኡ 'መማቕርቲ' ኢሎም ዝሓሰብዎ እምበሺ ግን ኣብ ርእሲ'ቲ ዝነበረ ዕረነቱ መሊሱ መምረሪ ይውስኽሉ ።
እዚ ናይ ሕጂ ተቐምቃማይ ግን ኣጋጣሚ ናይ ሃይማኖት ሰብ ኮይኑ ስለዝጸነሐ፡ ብውሽጡ ብዙሓት ሓሳባት እንዳዋህለለ ኣዕጋቢ መልሲ ንምርካብ ምስ ፈጣሪኡ ይዘራረብ ነይሩ እምበር፡ ምስቲ ሓማዪ ብእዝኑን ብልሳኑን ኣይሓመየን።
ብእዝንኻ'ውንባ ይሕመ'ዩ።
ብፍላይ እታ "ደፊሩ ኣምላኽ የለን" ንምባል ምኽንያት ዝተጠቀመላ ሓሳብ ጥርቅውቲ መልሲ ከምጽኣሉ ነይርዎ። እዚኣ ንፈጣሪኡ ዝሓመየላ ዓባይን መዋድርቲ ዘይብላን ሕሜታ ሳዕቤና ከባድ ምዃና ከረድኦ ብዙሕ ሓሰበ።
ወይ ጉድ! ኣምላኽ ዕጉስ ኴኑ'ምበር፡ ሰብሲባ ንፈጣሪ'ውን ክሓምዮ ኣይጽግሞን'ዩ!
ቀምቃማይ ይሓሚ፡ ተቐምቃሚ ከኣ ጸጥ ኢሉ ሓሳባቱ ምስ እግዚአብሔሩ የሰላስል።
ኣብ መወዳእታ ተቐምቃሚ ተቐምቂሙ ምስ ወደአ፡ በቲ ጎደና ብዙሓት ዝግፍ-ግፍ ዝበሉ ሰባት ክሓልፉ ረኣየ፡፡ ሽዑ ርእሱ ምስቲ መስትያት እንዳኣነጻጸረ፡ ኣነሲ ኣብዛ ዓለም ቀምቃሞ ዝበሃሉ ብጭራስ የለዉን ኢለ'የ ዝኣምን!" በለ።
"What! "
ወዮ ቀምቃማይ ኣብ ክንዲ ዘኾለስኩስ ኢደይ ተነኸስኩ ስለዝኾኖ፡
"እዚ ኲሉ ጹቡቕ ገይረ ኰሓሒለካስ ቀምቃሞ የለዉን ኢልካ ዘረባ'ሎ! ኣነኸ ናበይ ከይደካ፧" መለሰ ቀምቃማይ።
" ክላእ ቀምቃሞ ተዝህልዉ ደኣ ኣይትርእዮምን ድኻ ኣብ ጐደና ጸግሮም ዘንውሑ፡ዘጊፎም ዝቕምቅሞም ዝሰኣኑ ሰባት ነዛ ከተማ መሊኦማ፡፡ ቀምቃሞ ተዝህልዎስ'ታይ ኴኖም ዘይቅምቅምዎም!" ወዮ ቀምቃማይ ውሽጣዊ ቊጥዓ እንዳተሰመዖ፡-
"እሞ ስለዘይሞጹኒ እምበር ኣነኮ ኣብ መዓልቲ 100 ሰባት ክቕምቅም ዝኽእል ቀምቃሚ ኢየ።" ኢሉ ክእለቱ ብፍናን ዳሕደሐ።
" ዓንተዎ ኣምላኽ የለን ዝበልካኒ'ውን፡ ኣብዛ ዓለም፡ ሰብ ናብ እምላኽ ምምጻእ ስለዝገደፎ'ዩምበር ኣምላኽ ዘየሎ ኴኑ ኣይኮነን። ኲሉ ሰብ ናብ እግዚአብሔር ተዝምለስ ሓጥያት ተዝሓድግ፡ንእግዚአብሔር ብእምነትን ብግብርን ተዝስዕብ፡ በረኸቱ ምፈሰሰ፡እዚ ኩሉ መቕጻቲ ከኣ ኣይምመጻናን ነይሩ።
"እመ ኩሉ ፍጥረት ይዐቅብ እግዚአብሔር፡ ለኲሉ ዘኢያስተርአየ እመ ሰናየ ወእመ እኩየ።" ትርጉሙ፡
"ኣምላኽ ብኹሉ ተግባራትና፡ሰናይ ኮነ እኩይ፡ተሓቢእና ብዝገበርናዮውን ከይተረፈ ክፈርደና ኢዩ።" መክ12፥14)" ኢሉ ደምደመ ተቐምቃሚ።
ወዮ ቀምቃማይ ብጽሞናን ተመስጦን ድሕሪ ምስማዕ፡ ንብዙሕ እዋን ምስ ሕልንኡ ምጉት እንዳፈጠረ ብዝረኣዮምን ብዝሰምዖምን ናይ ደቂ ሰባት ሓጣውእ ኣማኻንዩ፡ ህልውና እግዚአብሔር ክኽሕድ ስለዝጸነሐ፡ ፈጣሪኡ ክሳብ ክንድዚ ዝዕገስ ኣምላኽ ምዃኑ እኹል መረዳእታ ቀሰመ። መገዱ ንምስትኽኻል ድማ ኣንፈቱ ናብ ፈጣሪ ክጽጋዕ ወሰነ።
'ኣምላኽ የለን' ኢሉ ዘውሪ ዝነበረ ሰብ ታሪኹ ክቕይር መረጸ፡፡ብንስሓ ተሓጺቡ፡ ስጋ-ወደሙ ተቐቢሉ፡ ምስ ፈጣሪ ተጣበቐ።
ለካ ክርስትናስ ከምዚ'ዩ! "ብዙሓት ቀዳሞት ዳሕረዎት፡ብዙሓት ዳሕረዎት ድማ ቀዳሞት ክኾኑ ኢዮም!" ድዩ ዝተባህለ።
"ወገነይ ምላልባሽ 'ኣነ ኣብዚ ነይረ እንድየ' ኢልካ ትምክሓሉ መንፈሳዊ ግብሪ ይነብረካ ይኾውን። ንስኺ'ውን ፍቕርተይ፡ 'ክንድዚ ዓመታት ሰሪሐ እንድየ' ኢልኪ እትሕበንሉ ግብሪ ጽድቂ ይነብረኪ ይኾውን'ዩ፡፡ እንተኾነ ሕጂ'ውን ድሕሬና ዝመጹ ኣህዛብ ባዕልና ዝመሃርናዮም፥ ካባና ቅድስና ዝተማህሩ ክቕድሙና ዝኽእልሉ መድረኻት ብዙሕ ስለዝኾነ፡ ንባዕልና ንሕና ካብ ኲሉ ክፉእ ነገር ንርሓቕ። ድማ መጀመርያ ምስ እግዚአብሔር ክንነብርሞ ንጽዓር፡ ምስ ሰባት ከመይ ኢልካ ይንበር ንሱ እግዚአብሔር ክምህረና ኢዩ!"
ይብል ነበረ ሓደ ሰባኺ።
ፈጣሪ ጥበቡን ምስትውዓሉን ይዓድለና።
ይትባረክ እግዚኣብሄር ኣምላክ ኣበዊነ፡ኪያነ ዘፈጠረ ከመናብልኮ።
ቆርበት-ሰብ!
ስመ ሥላሴ
ትኽ-ትንፋስ'የን ክልቲኤን መዛኑ
መንፍዓተን ሓደ ሚዛኑ
ቊመተን ሓደ ሕብረን ግን ነንበይኑ
መምህረን ሓደ'ዩ ብዓል ሓደ ዓይኑ
ጒድ'ዩ ከረድእ ንታሪኽ ተንቲኑ
ስለ ቈርበት-ሰብ ይፈልጦ-ይፈላልጦ
ኣጥዕዩ ይትንትነለን ነናይ እን-እኑ
"ዕዳጋ ቀደም ነይሩ
ኲሉ ሰብ ክቀዳደም ነንሕብሩ
'ቲ ሓደ ክሽየጥ ተገቲሩ
ይውዕል ብሞቚሕ ተሓይሩ
'ቲ ሓደ ክሻየጥ በብዲሉ
ብገንዘቡ ይረአ ሕልፊ ከቢሩ
ኲሎም ብሓደ ኣብ ሐደ
ኣብ ሓንቲ ጸሓይ ይውዕሉ
ኣብ ሓደ ዕዳጋ ጽቕጥቅጥ ይብሉ
ብሓንቲ ምድሪ ዝዕንገሉ
ብሓንቲ ደመና ዘጽልሉ
ብሓንቲ ሽያኽ ዝጠሉ
ክንሶም ይበዳደሉ
ነይሮም ግን ሓደ-ሓደ
'ድሪም ከቢሩ
ቆርበት ሰብ ሓሲሩ'
'ና'ሉ ዘማርሩ"
ኢሉ ዝመሃረን መምህረን ከጽንዓ
ኣብ ፈተናአን ከድምዓ
ናብ ቤተ መጽሓፍቲ ኣቕንዓ
ብከተማ ሕልፍ ክብላ
ሎሚ'ውን ለካ ኣሎ ዕዳጋ
ቆርበት-ሰብ ዝሽየጦ ብሪጋ
ኣብቲ ጽዑቕ ዕዳጋ
ከይተፈለጠን ተጸምዳ
ሕብሪ ሰብ ከም ወጠጦ ክዕድጋ
ይመርጻ ሜክ-ኣብ ይወስዳ
ኣብኡ ንሓንቲ ሰምዒዐንኣ
ምስኡ ምስቲኣ ከተማርር ብዕዳጋኣ
ጸሊም ሜክ-ኣብ ቀሪባስ ሓሲርዋ
ምሻጡ ኣብይዋ
ክትበኪ ርኤንኣ
"ዕዳጋይ ሓሚዱ
ቀቀይሑ ተለሚዱ
'ዚ ቆርበትና ብሓመዱ
እንታይ ጉዱ ንሓድሕዱ
ጻዕዳ ድዩ ሕልፊ ረጒዱ
ወይሲ ቀይሕ'ዩ ጻዕድዩ
ደምና'ሞ ኲሉ ሓደ'ዩ
ግዝኡለይ'ባ ስለፈጣሪ
ድራረይ ክኣሪ"
ክትብል ሰሚዐን
ናይ መምህረን ዘዘኪረን
ብልበን ነቢዐን
ሽዑ ስለፍቕሪ ክብላ
ንሸቃጦ ብሓደ ክጠምራ
ምሕዝነተን ከይከስራ
ሓንቲአን ኣብቲ ሓደ
ሓዴአን ኣብዚ ሓደ
ሕብረ-ጸሊም ጻዕዳ
መሪጸን ክዕዳጋ
በስመ ሥላሴ!
'ፖሎቲካን ሃይማኖትንሲ መዓስ'ዮም ዝሳነዩ፧' እናሉ ዓቕሎም ዘጽብቡ ሰባት ካብ ዘጋጥሙኒ ነዊሕ ኣቚጺረ'ለኹ። ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ቅነ። ፖሎቲካን ሃይማኖትን ክንገር እንከሎ፡ ፍቕርን ጽልእን፡ ሓቅን ሓሶትን ዝብላ ቃላት ብብዝሒ ክደጋገማ ይዕዘብ'የ።
ምስ ሓደ ቀራብየይሲ፡ ሓደ ግዜ ብዛዕባ ንሱ ደስ ዝብሎ ኣርእስቲ ኣልዒለ ዘተ ጀሚረልኩም፡፡ ንሓሳባቱ ክቕበሎን ከይቕበሎን ግዳሸይ ከምዘይብሉ ኣቐዲሙ ነጊሩኒ'ዩ፡፡ ብጽፉፉን እርኑብን ኣነጋግራ ገይሩ መልእኽቱ ከመሓላልፍ ከምዝደሊ፡ ብከምዚ ዝስዕብ ብርእሰ-ተኣማንነት እንክገልጸለይ ይዝክሮ። "ትጸልኣኒ ዲኻ ተፍቅረኒ፧ ኢለ ክሓተካ ዘይምጽባይካ ብልሒ'ዩ።" ካብ ገጸይ ዋላ-ሓደ ምልክት ስለዘይረኣየ መስለኒ ነዚ ዝበለ። 'ለካ ገጽ ሰብሲ ዝንበብ ከብሒ'ዩ!' ድማ 'ለ ኣነ ብውሽጠይ። ቀጺሉ፡ "እምበርከ ስነ-ልቦናኻ ሰንኪ እዚ ካብ ልሳነይ እትሰምዖ ዘለኻ ቃላት ክጒዳእ ወይ ክጽገን ከምዝኽእል ይፈልጥ'የ። እምበኣር ብዛዕባይ ማለት ብዛዕባ ሓሳባተይ ግዲ ኣለካ ድዩ የብልካን ክሓተካ ትደሊ ኣይትመስልን ኢኻሞ፡ ብልሕኻ' ዩ ዝንበበለይ ዘሎ። ግን "ትጸልኣኒ ዲኻ ተፍቅረኒ" ንዝብል ሕቶይ ትጽቢት ኣለካ'ዩ'ሞ ንበል። መልስኻ 'እወ ይጸልኣካ'የ እንተዄኑ፡ ከምትጸልኣኒ መርትዖታት ምፍሓር ኣየከድልየንን'ዩ። መልስኻ እወ የፍቅረካን ይድግፈካን'የ፡ እንተ'ልካኒ ግን፡ ሓቅነትካ ክሳብ ክንደይ ትርኑዕ'ዩ ንምፍላጥ ብዙሕ ኲዕታ ከካይድ'የ።" ወይ ጉድ!
እዛ ምድሪ ወናኒት ሓንቲ ገጽ ክንሳ፡ ዝተፈላለዩ ገጻት ብዘለዎም ሰባት ኣዕለቕሊቓ ምህላዋ መቸም ንዝበዝሐ ሰብ በሪህሉ'ዩ። ኣአንጋዲት ኣእላፋት ሓሳባት ምዃና ከይኣኽላ ዓለምና፡ ጠጠሊቖም ዝወጹላን ዝሕምብሱላን ሕብረ-ብዙሕ ገጻት እናኾነት ትምጠጥ'ላ'ዛ ምድሪ። በቲ ሓደ ገጻ ደጊኡ እርኑብን ህርኩትን ዝዀነ፡ ግን ከኣ ብሕሜት ኣብ ልሳን ብዙሓት ዝወደቐ ሰብ ይረክባ። ቅርብ እንክብሎ ጒዳይ ሒዙ ይጸንሕ፡፡ ጉዳዩ ጉዳይ በይንኻ ምዝራብ'ዩ። በይኖም ዝዛረቡ ሰባት፡ ንመብዛሕትኦም ሻቕሎት ኣለዎም። ሕብረ-ብዙሕ ዝኾነ ሻቕሎት!
"በይንኻ ምዝራብ ዓይነቱ ብዙሕ'ዩ " ይብል ነበረ ናይ እንግሊዝ መምህርና። ማለቱ፡ 'ብዛዕባ ሕሉፍን መጻእን መደባትካ፡ ንምሕንጻጽ ወይ ንምንቃፍ በይንኻ ከምእትዛረብ ክገብረካ ይኽእል'ዩ' ንምባል'ዩ መስለኒ። እዚ እቲ ካልኣይ ገጽ'ዩ ዝኸውን ዘሎ። በቲ ካልእ ገጽ'ውን፡ እነገሊኦም ሰንኪ ምስ ገሊኦም ምጽላኦም'ዮም ዝኾኑ፡ ኢዶም እንዳሰንደዉ ሓውሲ ቈይቊ ዝመስል በይንነታዊ ዘረባ ዝዛረቡ ኣጋጢሞምኒ ይፈልጡ'ዮም። ምስ ካልኦት ምጽላኦምን ዘይምጽላኦምን ግን፡ ገጾም ከምኡ ስለዝንበብ'የ እምበር ሓቲተዮም ኰይነ ኣይኮንኩን። ከመይ'ለኸ ክሓቶም፧ ክጭልግሙኒ!
መቸም ስደት ዘይርኡይን ዘይስሙዕን እንድዩ ዘርእየካን ዘስምዓካን። መልሲ ስኢኖም ዝተወጠሩ እንክመስሉ መመልከቲቶኦም ኣብ መትልሖም ጔሪም ዘስቊርቊሩ ሰባት'ውን ስደት ኣርእዩኒ'ዩ። ኣብ ከምዚ ኲነት ንዘለዉ ሰባት ክትዛረቦም ምድላይ'ኳ፡ ከም ንኣብ ምቁር ሕልሚ ንዘሎ ሰብ ቀስቂስካ ሕልሙ ከተጥፍኣሉ ምኽኣል'ዩ ዝመስል። ምኽንያቱ ምውቕ ወይ ዝሕቱል ዕላል ሒዙ እንከሎ እንተቀስቂስካዮ፡ ምላልባሽ ምስ መን የዕልል ምንባሩ ስለዘይትፈልጥ ንክልቴኣትካ ቀይሕ መስመር ክኾነካ ይኽእል'ዩ። ኣብ ስደት ካብ ዝፈልጦም ናይ ተዘክሮ ኣዕሩኸይ ሓደ፡ "ስከ ስከ! ግደፍ ኣይትዂለፈኒ፡ ሓንሳእ ይሓስብ'ለኹ!" ዝበለኒ መሓዛ ይዝክር'የ። ክዛረቦ ወስ ምስ በልኩ ዝበለኒ'ዩ። ደኾን፡ ኤውሮጳ ወይ እስራኤል ንምኻድ ናይ ሽዑ ራኢና ስለዝነበረ "ሳህራ ከመይ ይስግር ኢሉ ይማጎት ነይሩ ይኸውን፧ እዝጊ ዋንኡ!
ነገሩ በይኖም ተዛሪቦም በይንኻ ተዛረብ ዝብሉ ስለዘይወሓዱ'ውን'ዩ መስለኒ፡ ጽርግያ ብጽርግይኡ በይኑ ዝዛረብ ሰብ ዘዕለቕልቕቖ ዘሎ። "ዕሩይን ጽፉፉን ፕረሰንቴሽን ከተቕርቡ 'ተዄንኩም፡ ምስልኹም ኣብ መስቲያት እናረኣኹም በይንኹም ክትዛረቡ ኣለኩም" ትብል ናይ 10ይ ክፍሊ መምህር'ውን ነይራትኒ'ያ። ተመኲሮኣ'ዩ ዝኸውን ዘሎ። ሓቂ ይሓይሽ ኣብቲ ፍልም ስሒቐያ'የ፡፡ በይነይ ዘይኮንኩ'ውን ክላስ ምሉእ ብጅምላ ኢና ስሒቕናያ። ዳሕራዩ ግን ለካ በይንኻ ምዝራብሲ ጠቐመ ከኣ'ምበር። እቶም ብዙሕ ግዜ በይኖም ዝተዛረቡ ዝበዝሐ ነጥቢ፡ እቶም በይኖም ዘይተዛረቡ ግን በይኖም ከጒረምርሙ ተራእዮም። ወይ ጉድ ኣብ ግዚኡ በይንኹም ተዛረቡ ተባሂሎም ዘይተዛረቡስ፡ ግዜ ምስ ሓለፈ በይንኻ ምጒርምራም እንታይ'ዩ ጣቊኡ! እቶም በይኖም ምስ መስትያት ዝተዛረቡ፡ ካዕቦ ነጥቢ ብምሕፋስ፡ ድሮ በኖም ምዝራብ ኣቋሪጾም፡፡ እቶም በይኖም ዘይተዛረቡ ግን ነጥቢ ስለዝተኸልከሉ በይኖም ምጒርምራም ጀሚሮም። ጉድ'ዩ!
በቲ'ልካ በዚ፡ "ሎም-ሎምስ እምበርዶ ምስ ሰብ ዝዛረብ ሰብ ክርከብ'ዩ" ኢለ በይነይ ዘስቈርቈርኲሉ ግዜ እናበዘሐ ይመጽእ'ሎ። ሓንቲ ነጥቢ ግን ተረዲኤ'ለኹ። ወረግ እንኮ ነጥቢ ጥራይ ኣይኮነትን።
√ ፍቕርን ጽልእን፡ ሓቅን ሓሶትን ንምልላይ ዝግበር ከይዲ ጠቓሚ ምዃኑ፡ ሓደ በለለይ!
√ ኣብ ግዜኻ በይንኻ ምዝራብ ነጥቢ ከምዘውህብ፡ ከምዛ ናይዛ መምህርና።
√ ነብሰ-ፍተሻ ምግባር ንነብስኻ ከምዝጠቅም፡
√ በይንነታዊ ዘረባኻ ዕለቱ ምስ ዝወድቕ ግን፡ ኣጒረምራሚ ከምዝገብረካ።ኤክስፓየር ዴትሲ ዋላ ንበይንኻ ምዝራብ'ውን ይውክሎ'ዩ ለካ።
ክንቅጽላዶ፧ ደሓንስከ ኣንበብቲ ዋላ ባዕልኹም መልእዎ...
እምበኣር ፍቕርን ስኒትን ይሃበና ፈጣሪ!!
በስመ ሥላሴ ኣብራም'ዩ ግብረይ ኣብ ካራን ምንባረይ ሃብታም'ዩ ሰፈረይ ብዘመናዊ ስራይ ኣብኡ'የ ዝወድቕ ይሃጥር ብስጋይ ሓሽከት ሓጣውእ ይበራረዩለይ ገንዘብ ሶዶም ክኸስብ ገንዘብካ ይስእኖ እናሻዕ ይንኖ...