በስመ ሥላሴ
ከመይ ውዒልካ/ኪ፧
ሎም መዓልቲ ዕድላቱን ዓውድታቱን ጸቢቕሉ፡ ክሕጎስ ዝወዓለ ሰብ ኣሎ። ብሰንኪ'ጺ ኲነት'ዚ ብሓጎስን ብስጭትን ተባሒቶም ዝወዓሉን፡ ዝተፈራረቐ ስምዒታቶም ብናህሪ ዝበረኸን ሰባት'ውን ኣለዉ። ሽግራት ይኹኑ ራህዋታት፡ ውድቀታት ይኹኑ ዓወታት ከይጸለዎም፡ ንፈጣሪኦም ከመስግኑ ዝወዓሉ ድማ ክንደይ ኢልካ ክጽብጸቡ።
"ሓንቲ ሰበይትስ ንብዓታ ድርብ (ዳብል) ኮይኑ ጠቐማ!" ይበሃል። እቲ ዛንታ ከመይ'ዩ፡ እታ ሰበይቲ ሃንደበት ሰብኣያ ስለዝተጎድአ፡ ክትነብዕን ከተልቅስን ጀመረት'ሞ፡ ሃንደበት ቅድሚ 20 ዓመታት፡ ጠፊኡ ድሃይ ዝበሃል ዘይነበሮ ሓደ ከም ሓሙስ ወዳ ህሩግ ኢሉ መጸ። "ኣነ እቲ ጠፊአ ዝነበርኩ እገለ ወድኺ'የ፡ ደጊም ኣጆኺ ኣነ ኣብ ጎንኺ ኮይነ ንብዓትኪ ክሕብስን ናይ ኣቦይ ሓላፍነት ክስከምን'የ!" በላ እቲ ንመዋእላት ጠፊኡ ዝነበረ ወዳ። በዚ ፍጻመ'ዚ እቲ ሕዝቢ ኣዝዩ ሰንበደን ተሓጎሰን ተፈራረቐን። እታ ሰበይቲ ግን ንብዓታ ከተቋርጽ ኣይከኣለትን። እናሻዕ ደኣ ዝርንዛሕ ነበዐት! መመሊሱ ንዝውሕዝ ንብዓታ ክዕዘብ ዝጸነሐ ሓደ መስተውዓሊ ኣቦ፡ "ኣንትን ሳንዳና ሕጅስባ ንብዓትክን ሓብሳ፡ ክትሕጎሳ'ዩኮ ዝግበኣክን፡ ይኣኽለንክን ደጊም ተመስገን ምባል'ዩ ዝግባእ!" ብምባል ትርር ኢሉ ገሰጸን፡፡ እታ ሰበይቲ ከኣ ዓው ኢላ ምላሽ ሃበት። "እወ ሓቅኻ ግን፡ ዝነብዕ ዘለኹ ስለዝሓዘንኩ ጥራይ ዘይኮንኩስ፡ እንተላይ ስለዝተሓጎስኩ'የ። ሓደ ኣፉ ንብዓተይ ብሓደ ክኾነለይ ኢለ'የ" ኢላ መለሰትሉ ይበሃል።
ፍጻሜታት ናይ'ዛ ቅጽበት'ዚኣ'ውን፡ ካብዚ ብዘይፍለ መልክዕ ክተሓናፈጹ ዝወዓሉ ክውንነታትን ፍጻሜታትን'ዮም ሓዚኦማ ውዒሎም ንመዓልትና።
ኣብ'ዛ ግዜ'ዚኣ፡ ከቢድ ሓዘን ኣጋጢምዎ/ዋ፡ ናይ መፍትሒታት ኣፍ-ደገ ዝተረገጦም ሰባት ኣለዉ። ጥዑይ ዝነበረ ሓዳሮም፡ ኣሻቡ ብሻቕሎታት ተባሒቲ፡ ሃደሽ-ደሽ ከይብሎም ሰጊኦም ምጽጋኑ ሸጊርዎም፡ ንዮው ነጆ ክብሉ ዝወዓሉ፡ ዘዋፈርዎ ርእሰ-ማል፡ ተዘቚቑ ከምዘየለ ኴኑ ብክሳራታት ተዋሒጦም ዝቚዝሙ ዘለዉ፡ ብኣካላዊ ምንቅስቓስ ጠንኪሩ ዝነበረ ትርኑዕ ኣካላቶም፡ ዘይተፈልጠ ጋሻ ሕማም መጺኡ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ፈንዩሎም፡ 'እኅህ!' እናሉ ብቓንዛ፡ ሎም-ጽባሕ ክብሉ ኣብ ሕክምና ዝእለዩ....ክንደይ ኢልካ ክጽብጸብ። ወረ ካልእ'ውን ኣሎ። ዳስ ተተኺሉ ልቕሶን ሓዘንን ኮይኑ ዝብከየሎም ናብ መቓብር ተጸይሮም ዝኸዱ፡ በቲ ካልእ ከኣ ብዘይወግዒ ሬስኦም ድራር ኣራዊት ኴኑ ብከንቱ ኣብ መሮር ተደርብዩ ዝርከብ ሰባትን ድማ ኣለዉ፡ ኣብዛ ዕለት'ዚኣ። ንሬሳ'ውንባ ለካ ወግዒ ኣለዎ'ዩ!
በንጻሩ ጎረሮኦም ክሳብ ዝስንጠቕ፡ ዕልልታ-ንዕልልታ ኴኖም፡ ገጾም በሪሁ ብስሓቕን ፍሽኽታን ተኸሊሎም ዝወዓሉ'ውን ኣበይ ከይሰኣኑ። ብተነጽሎን ሲንግልን ዘሕለፍዎ በይናዊ ሕይወት፡ ድሮ በሊሎም ዘይተሓስበ ቅዱስ ሓዳር ዝሰረቱ፡ ብሰንኪ ውላድ ዘይምርካብ ተነቓኒቑ ዝነበረ ፍቕሪ፡ ዘይሓሰብዎ ንዖኦም ዝመስል ምጩው ውላድ ብምርካቦም ኣብ ጽምብል ዝወዓሉ፡ ጠፊእዎም ዝነበረ ኣዝዩ ኩቡርን ኣገዳስን ኣቕሓ ይኹን ሰብ፡ እንታእዋኑ ተረኺብሎም፡ ተገሪሞም ሓጎሶም ምቁጺጻር ስኢኖሞ ዝወዓሉ... ክንደይ ኢልካ ክጽብጸብ! እሞ ንስኻኸ ከመይ ውዒልካ፧ ንስኺ'ውን ከመይ ወዓልኪ፧
ኣብ'ዛ ሰዓት'ዚኣ፡ 'ገለ እንተተረድኣኒ!' ኢሉ ክሳብ ናብ ሰፈር እንዳ-ጻጸ ከይዱ፡ ክምሃር ኢሉ ዝጽዕት ሰብ ኣሎ። በቲ ሓደ ሸነኽ'ውን፡ እቲ ክትመሃርን ክትርዳእን ምድላይ ተሪፉ፡ ካብ ምሒር ንዕቀትን ጽልእን ተበጊሱ፡ 'ኪድ ጻጸ!' ኢሉ ክጻረፍን ክዝልፍን ዝወዓለ ሰብ ከኣ ኣይሰኣንን'ዩ። ሎም ቃል እግዚአብሔር ከንብብን ብጸሎት ምስ ፈጣሪኡ ክዘራረብን፡ ብጾምን ትሕርምትን ስግኡ ክቐጽዕን ዝወዓለ ሰብ ከኣ ኣሎ። በቲ ካልእ ሸነኽ'ውን በንጻሩ'ዩ። እወ! ቃለ ኣጋንንቲ ክደግምን ሰይጣናዊ ኣጀንዳ ከሰላስልን ዝወዓለ ሰብ ከመይ ዘይህሉ።
ፍጻሜታት ናይ ሎምን ሕጅንሲ እምበኣር ዘይፍታሕ ግድላት'ዩ። ሎም ብዙሓት ለዋሃት፡ ሓልዮት ደቂ-ሰባትን ኣብ ሰብ ዘለዎም ፍቕርን ደሪኽዎም፡ 'ንሰብ ብኸመይ ክሕግዝ ይኽእል!' ክሳብ ምባል፡ ምእንቲ ሰብ ዝጭነቑን ስለወዲ-ኣዳም ዝቚርቆሩን ኣለዉ። በቲ ካልእ ገጽ ድማ፡ ኣብ ሰብ ዘለዎም ጽልእን ቅርሕንትን ከርእዩ ክብሉ፡ ዘይተማህዘ ናይ ጽልኢ ቦምብ ምምሃዞም ጥራይ ከይኣኽሎም፡ ኣብ'ቲ ቅርሕንተኣዊ ዕዳግኦምን መኣዶምን፡ ተኻፈልቲ ክኾንሎም ዝኽእሉ ደቀ-መዛሙርቲ ክእክቡ ዝወዓሉ ኣካላት መሊኦም'ዮም።
እወ ብዙሕ'ዩ ዓይነቱ
ዕለት-ንዕለቱ
ዝተፈራረቐ ስምዒቱ
ይኽሰት ኣሎ በብሰዓቱ
ፍጻሜታት ሕጂ
ተተኳሲ ጥራይ ኣይኮነን ከም ፈንጂ
ድጉል ኣሎ ዘይተተኮሰ
ጥጁእ'ውን ኣሎ ዘይተለወሰ
ዝጎሃየ ኣሎ ዋላ ዝተሓጎሰ
በቲ ድማ እነሀዉ
ብፍጹም ዘይጽለዉ
ብድምጾም ግና ኣእላፍ ይጸልዉ
ኣእላፍ ይለልዉ
ከይተሓለሉ ዘቃትሉ
ምእንቲ ጽልኢ ደው ዝብሉ
'ጀዓዮ-ውግኣዮ
በሎ-ስቐሎ
ሓንፍጦ-ዝበጦ
ደሃሎ-ቅተሎ'
ዝብላ ቃላቶም፡ ዘይሰምዐንን ዘይተመረዘለንን ሰብ መታን ከይህሉ፡ ናብ ኣእዛን ብዙሓት ንክበጽሓ ክጽዕቱ ዝወዓሉ ክንደይ ኢልካ ክቚጸሩ።ኢዶእ!
ሕጂ ዝፍጸም ዘሎ
ብድምሩ ብጥቕልሉ
ብዙሕን ውሑድን
ጽቡቕን ሕማቕን
ልቕሶን ሰሓቕን
ካባን ማቕን
ሑቕፍን ጒስጥን
ድብልቕ-ልቕ ዝበለ ፍጻሜታት'ዩ!
ሰብ ንሰብ ዘይፈልጦን ክፈልጦ ዘይክእልን፡ ክፈልጦ እንተኸኣለ ከኣ ካብ'ቲ ዝርእዮ ዕለታዊ ፍጻሜታት ቆንጢሩ ደኣ'ምበር፡ ምሉእ ብምሉእ 'እገለስ ከምዚ ክገብር ውዒሉ፡ ወይውን ከምዚ ክገብር'ዩ' ኢሉ ሓደ ነቲ ሓደ ክፈልጠሉን ክመዝነሉን ዝኽእል ተኽእሎታት፡ ፍጹም ዕጹው ምዃኑ፡ ኣዝዩ ሰናይ ውዕለታ ፈጣሪ'ዩ! ከብለካ ይኽእል።
ካልኣይ ጽቡቕ ነገር ከኣ፦ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ምንቅስቓሳት ናይ'ዛ ዕለት፡ ክሳብ ክንዮ ማይክሮ ሰከንድ ዝኣክል፡ ብሞለኮታዊ ካሜራ ክቆጻጸራ ዝወዓለ ኣካል ምህላዉ ኣዝዩ ሰናይ ነገር'ዩ። ብምኽንያት ናይ'ዚ ቊጺጽር'ዚ፡ 'እንቋዕ ክንዮ ቊጺጽር ፈጣሪ ዝህሉ ፍጻሜ ኣይሃለወ' ኢልካ ኣስተሪሕካ እትነብረሉ ባይታ ንጹፍ ምዃኑ የሕጉሰካ።

Ingen kommentarer:
Legg inn en kommentar