በስመ ሥላሴ
ካብ እግዚአብሔር ተሰዊርካ ክንበር ተዝከኣል፡ ቊጽሪ ሓደ ሰብ ተሰዊሩ ክነብር ምደለየ። ምኽንያቱ እቲ እንኮ መሳወርን፡ ኣሳዊሩ ባዕሉ ዝነድድን ሰብ'ዩ።
እቲ ቀዳማይ ኣቦ ደቂ ሰባት፡ ኣዳም ምስ ኣበሰ፡ ውሽጡ "ተሓባእ ተሓባእ" እዩ ኢልዎ። ውሽጣዊት ፍቓዱ ዘሳወረታ ኣበሳ፡ "ተሰወር-ተሰወር" ኢላ'ያ ኣሕሸኽሺዃቶ። ናይ ኣቡኡ ልማድ ዘይሓድግ ሰብ ከኣ፡ ብግህዶ ይኹን ብተስዊር፡ ብግሊ ይኹን ብዕሊ፡ ብሃውሪ ይኹን ብወግዒ፡ ምእባስ ኣቋሪጹ ስለዘይፈልጥ፡ መምስበደለ 'በይነይ ይሕሸኒ' ምበለ። እረ ኣይሰለጦን'ምበር፥ ሰብ መምስ ኣሳወረ ክስወር መን ዘይደለየ!
በቲ ሓደ ወገን እውን ባሕርይ እግዚአብሔር ንሰባት ተሰዊርዎም ምንባሩ፡ ልዕሊ መጠን ጠቓሚ''ዩ። እምበርከስ ኣኣብ ንእብሶ በተን ደጒሐን ዘቋምታ መለኰታውያን የዕይንቱ ረርእዩ ከምዘይረኣየ ስለዝዕገሰና'ምበር፡ ይርእየና ከምዘሎ ንሕና ተንርኢ ንሕበኣሉ ምሰኣንና...!
ከመይ ኢልናኸ ክንእሎ! ሰብኳ ሽጣራና ተፈሊጥዎ ናብ ንኽወሎ ዝጠፍኣናስ፡ እግዚአብሔር ከም ሰብ ሑሕ በሃሊ ተዝኸውን ደኣ ከመይ'ልና ምጸርናዮ! በንጻሩ ንሕና ንናይ ሰባት ኣበሳ እንተፈሊጥና እነርእዮ ጸዋግነት፡ "እንቋዕ ክንፈጥርን ክንምንቊስን ዕድል ኣይተዋህበና" ዘብል'ዩ። እነሀ'ኳ ናይ ሰባት ቊርቊስን ምፍልላይን ስሩ ናይ ኣቦ ዘይተርፍ ስለዝኾነ፡ ገሊኡ ከሳውር ገሊኡ ክስወር ንርኢ ኣለና። ኣብ ዘመን ኣቤልን ቃየልን ብሰንኪ ምእዛዝን እምቢታን ዘምጽኦ ሳዕቤን፡ ዓለምና ኣብ ዝተፈራረቐ መድረኽ በጺሓ፡ ሰባት ከይተሰማምዑን ከይተፋቐሩን ክነብሩ ንርኢ'ለና። በዚ ፍቕሪ ንምትካል ህርድግ ዝብሉ፡ በቲ ድማ ንፍቕሪ በንቊሮም ጽልኢ ክትከል ብምድላይ ክተሃላለኹ፡ ንትዕዝብትና ዛጊት ኣይተሰወሮን።
እቲ ዘሕጒሰካ ግን፡ ኰስኰስቲ ፍቕርን ጻሕተርቲ ጽልእን ነንረብሓኦም ዝሃልኩ እኳ እንተዀኑ፡ ካብ የዕይቲ እግዚአብሔር ዘይስወሩ ምዃኖም የሕጒሰካ።
እወ! እቶም ዝለዓለ ናይ ገንዘብ ረብሓ መታን ከኻዕብቱ፡ ኣብ መንጎ ሕዝብታት ምብትታን ዝፍብርኹን ዘሰምስሩን ዝስምስሩንሲ፡ እንቋዕ ፈጣሪ ዘይርእዮም ኣይኮነ። እቶም ፍቕሪ ጸኒቱ ክርእዩ ጭራሽ ዘይብርሆምን ልቦም ስግኣት ዘሕበጭብጮን'ውን እንቋዕ እግዚአብሔር ኣብ ውሽጦም ኣትዩ ዘይዕዘቦም ኣይኮነ።
በቲ'ልካ በዝስ፡ እግዚእብሔር እንቋዕ ክንስወሮ ኣይፈቐደ፡ እምበርከ ዝእርምን ዘንስተኻኽልን የድልየና'ዩ። ድማ ኣይምኸኣልናዮን ኲልንትናና ንምንባር ምጽልኦ። ተሰዊርካ ምንባር'ውን ኣሻብና ምምነናዮ።
እንቋዕ ኲሉ ዘሳውር ዝስወር ኣይኮነ!
ሎቱ ስብሐት!
ሓበሬታ፡-
"ምስዋር" ድርብ ቃል ምዃና ኣንበብቲ ክትርድኡለይ ይምሕጸን።
Posted 03.07.2021.

Ingen kommentarer:
Legg inn en kommentar