onsdag 26. april 2017

ንዑ ባርኹኒዶ፣ንዑ ክባርኸኩም፣

ንዑ ባርኹኒዶ፣ንዑ ክባርኸኩም፣
ኣብዚ ዘመን ዝባርኹ እምበብር፣ዝባረኹ ተሳኢኖም፣ንዓ ክባርኸካ ዝብል እምበር ባርኸኒ ዝብል ሰብ እንዳሰሓወ ይመጽእ ኣሎ።ነገሩ እቶም ንዑ ክንባርኸኹም ኢሎም መለኸት ዝነፍሑ፣ነቲ ምንጪ በረኸት ኣይተሰከምዎን።በረኸት ከይተሰከምካስ ከመይ ክትባርኽ፣ኣብ በረኸት ከይተኾየጥካስ ካበይ በረኸት ከተፍሲስ።

ሓደ ግዜ ኣብ ናይ ገጽ መጽሓፍ (ፌስ ቡክ) ሓደ ኣዚየ ዝፈትዎ መንፈሳዊ ዝኾነ ድያቆን፣የዒንተይ ረኣያኦ፣ካብ ዝፈላለ ነዊሕ ገይርና ስለዝነበርና፣ከምዛ ብኣካል ዝረኣኽዎም መሲልኒ፣ነታ ኮምፒዩተር ክስዕማ ቁሩብ ተሪፋትኒ።ከምቲ ትፈልጥወን እዘን ካብቶም ዘይእዙዛት ጭዋዳታት ዝቖማ የዒንተይ፣ክንደይ ዝኾኑ ፈተውቲ ኣሎዉዎም ንምቁማት፣ናብ ታሕቲ ጠመታ።ብዙሓት ፈተውቲ ፍቕሩ ንምግላጽ ዝጸሓፍዎ ኮመንትታት፣በብሓደ ከንንብብ ጀመርኩ።ናይ ሓባር ጸብጻብ ወሲደ ምስ ረኣኽዎ ስታትስቲክስ ወሰድኩ፣፣መብዛሕትኦም እቶም ኮመንትታት ገጸ ንባቦም፣<<ድያቆን እግዚኣብሄር ይባርኽካ፣ተባርኽ፣ብሩኽ ኩን፣እግዚኣብሄር ይቐድስካ፣>>ወዘተ ክብሉ ጸኒሖምኒ።እቶም ቃላት ብዙሕ ግዜ ክውንጨፉን ብየእዛነይ ክሓልፉን ይርኢ ስለዝነበርኩ፣ኣይሓደሱንን።እንተኾነ ካልእ ሓጠቕ ሓጠቕ፣ዝብል ላህጃ ስለዝዘከርኩ፣እቶም ሰባት ምላልባሽ እቶም ቅድሚ 10 ዓመታት ኣቢሎም ኣብ እዝነይ ዝድርጉሑ ዝነበሩ፣ናይ መናፍቓን ናይ ቅብጥሮት ድምጺ መሲሎምኒ፣ቸክ ንምግባር፣ኣስማት ናይቶም ነዚ ኮምነት ዝጸሓፉ ሰባት ክርኢ ኣብ ነፍሲ ወከፎም ፕሮፋል ብምእታው ወናም ናይ ፌስቡክ ዳህሳሳይ እንክመስል፣ድህሰሳ ጀመርኩ።

ኣብ ፌስቡኮም ስእሊ ድንግል ማርያም፣ስእሊ ቅዱሳን ዘለዎ፣እረ ገሊኦም ከኣሞ ኣዝየ ዝፈልጦም ኮይኖም ጸንሑ።መብዛሕትአንሲ ወረ ደቀንስትዮ ትምህርተ ሰምበት ኮይነን ኢየን ጸኒሐናኒ።ሽህዑኡ ንነብሰይ ክሓታ ጀሚረ።ቅድሚ 10 ዓመታት ሓደ መናፍቕ ሰንደር ኢሉ<<እግዚኣብሄር ይባርኽካ>>፣ንዝብለኒ ዝነበረ እንታይ ይስምዓኒ ከምዝነበረ፣ነቲ ናይ ሽዑኡ ስምዒትን ናይ ሕጂ ሓቀኛ ምስለይን ክመምዮም ጀመርኩ።ለካስ ንነብሰይ ውን ምስቶም፣ክባርኹ፣እግዚኣብሄር ይባርኽካ፣ይቐድስካ፣ዝብሉ ናይ ዘምንናን መስቀል ዘይዓተሩ ካህናን ኮይና ጸናሕትኒ።

ወዮ ነብሰይ!!!፣ከምዚ ኢለ ከኣ ሓተትኩዋ፣<<መስቀል ከይዓተርኪ ደኣ ከመይ ባረኽኪ፣ክህነት ከይተሸለምኪ ደኣ ከመይ ደፈርኪ፣ኣማናዊ ስግኡን ደሙን ንምፍርታት ከይበቓዕኪ ደኣ ከመይ ንማህበረ መእምናን ክትባርኽዮም ከኣልኪ፧እረ ሓደ ሓደ ግዜ፣ነቶም መስቀል ዝዓተሩ፣ቆቢዕ ቅድስና ዝለበሱ፣ንካህናትን መኖኮሳትን፣<ኣባ ጸጉኡ የብዚሓልኩም፣እግዚኣብሄር ይባርኽኩም>>፣ዝበልኩሉ ግዜ ሰዝነበረ፣ ኩሎም ነዞም ካብ ኣፈይ ዝወጹ ቃላተ ቡራኬ ክዝክሮም ፈተንኩ።

ኣብ ግዜ ጾሎተ ቅዳሴሲ፣ኣመ ይሄሉ ኤጲስቆጶስ ይባርክ ኤጲስቆጶስ፣ኣመ ኢይሀሉ ኤጲስቆጶስ ይባርክ ጳጳስ፣ኣመ ኢይሀሉ ጳጳስ ይባርክ ካህን፣፡፡፡፡፡፡፡፡ ተባሂሉ ክንበብ ይሰምዕ ኢየ።ንነብሰይ ሕጂውን ብሕቶ ኣዋጠርኩዋ፣እስከበሊ ካብዚኦምሲ ካበየናዮም ኢኺ፧ገና ዱቁና፣እረ ጀማሪት ናይ መንፈሳውነት ዘይኣኸልክስ፣ንኣዝዮም ዓበይቲ ኣቦታት ክትባርኺ፣ከመይ ኢልኪኸ ከኣልክዮ፧ኢለ ከዋጥራ ጀመርኩ።ነብሰይ መርትዖ ሲኢና ኢያ መስለኒ፣ኣጽቅጥ ኣበለት።

ተማሃራይ ኣስካላ እንከለኹ፣እቶም መምሃራንና ዘዕሉሉና ዝነበሩ ዕላላት ዘከርኩ።እቶም መምሃራን፣<<ንሕና ተማሃሮ እንከለና፣ትምህርቲ ምስተፈደስና ገዛ እቱው ኢልና ቦርሳና ከየራገፍና፣ኣብ የእዳውን የእጋርን ወለድና ንሳለም ነይርና>> ኢሎም ዘዕልሉና ዝነበረ ዕላል ቅጅል በለኒ።ኣብቲ ኣነ ተማሃራይ ዝነበርኩሉ ግዜ ንወለድኻ ኬድካ ክትሳለሞ ቁሩብ ነብሰ ምቲሓት ኮይኑ ይስምዓና ስለዝነበረ፣ዳርጋ ክንዲ ወለደይ ኣኺለ እንድየ ዝብል ሕማም ተላባዕ ዚሓዘና ዝነበረ ይመስል።ብሕልናና ግን ንዘመነ ተማሃራይነት ናይቶም መምሃራንና ኣመስገንናዮ።<<ክንደይ ዝኣክል ቲሕትና ኢዮ ወደይ!!>> ኢልና ንግረም ነበርና።

ሎሚ እቶም ሽዑኡ ኒየእዳውን የእጋርን ወለዳ ንምስላም ቲስልኪ ዝነበረት ነፍሰይ፣ትዕቢታ የመና ሳዕሪሩ፣እረ ምስ ካህናትን መኖኮሳትን ክትመዓራረይ ምስ ረኣኹዋ ገረመኒሞ፣ግረፋ ግረፋ መጻኒ።ኣብዚ ዓዲ ኦምህራም ኣይፍቀድን ዝብል ሕጊ ስለዘሎ ግን ብፍርሒ ተቐርቀርኩ።

ዘመንንና እንተተመልኪትናዮ፣መብዛሕትኡ ሰብ ንኽባርኽን፣ንኽቅድስን ንምቅዲዳም ናይ ማራቶን ትኬት ሒዙ ትርኢ።ደረጃና  ዳርጋ ዝዘንጋዕናሉ ዘምንን ተባሂሉ ከይስመ የፍርሓካ።ምዕራባውያን ዝዘርእዋ፣(GBU) ጋድ ብለስ ዩ፣እትብል ዝተቖራረጸት ናይ እንግሊዝኛ ቋንቋ ቃሎም፣ብትግርኛ ተተርጊማ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስትያን ኣትያ፣ኣብ ኣፍ መእምናን ኮይና ንካህናትን ጳጳሳትን፣ድያቆናትን ክትባርኽ ትርአ ኣላ።እዝግዩ፣እዝግዮ፣እዝግዮ፣ጽንሕ ኢልና ንዑ ድንን በሉለይሞ ኣነ ክባርኸኩም ንበለሉ ግዜ ከይመጽእ ትፈርሕ።ሰይጣን ብጥበቡ ንመእምናን፣ኣብ እግሪ ካህናን ከከይድካ ንምስላም ኣብ ክንዲ ዝግባእ፣መስቀል ዘይዓተረት የእዳው መእምናን ብምጥቃም ቅቡኣተ እግዚኣብሄር ብድፍት ክትባርኽሞ፣በረኸት ከይረኸበት ንኽትነብር እንዳዓየየ ኢዩ።ኣቦታትና ቅዱሳን ጳጳሳት፣ካህናት ድያቆናት ግን በንጻሩ፣ክትባርኾም እንከለኻ ቲሕትና ካብ ጎይተኦም ስለዝተማህሩ፣ንስኻ ክትባርኸኒ ኣይትኽእልን ኢኻ፣ከይበሉ፣ብቲሕትና ኣሜን ንምባል ይቀዳደሙ።ንሕንና ኣሜን ኢልና ክንምረቕ ዝግባእ፣ኣፍና ኣሜን ከይብል ከኒቡ፣ንኽባርኽ ግን ተጊሁ።<<ዘመና ግርምቢጥሲ ማይ ንዓቐብ>> ድዩ ዝብሃል።

ንሕና ግን ከም መእምናንን ነኣሽቱን መጠን ደረጃና ክንፈልጥ ነይርና።ሓደ ጥዑም ቃል እግዚኣብሄር ንዝተዘራረበ ሰብ ኣብ ክንዲ እግዚኣብሄር ይባርኽካ፣ቃለ ሂዎት የስምዓልና ምባል ይምቅር።ንሓደ ጥዑም ዜማ ዘስምዑ ካህን፣ብጣዕመ ዜማኦም ስለዝተማረኽካ፣ኣብ ክንዲ እግዚኣብሄር ይባርኽኩም፣ተባረኹ፣እግዚኣብሄር ይቀድስኩም ኢልካ ምድፋር፣እግዚኣብሄር ይመስገን፣ንዓኹም ኣይኽለኣና፣ጸሎት ግበሩልና ኣቦና፣ባርኹና እንተዝበሃሎ ኣዝዩ ምጠዐመ።

ናይ ሎሚ ልሳን ግን ንዑ ክባርኸኩም፣እምበር ንዑ ባርኹኒ ንምባል ይህከያ ስለዘሎ ዓገብ ክትበሃል ይግበኣ።ደኒንኪ ተባረኺ እምበር፣ንዒ ባርኺ ክትባሃል ኣይግበኣን።ንሳስ ትድነን ደኣምበር፣መስቀል ከይዓተረት፣ከመይ ኢላ መስቀል ንዝዓተሩ ክትባርኾም፣ቅዱስ መዓርግ ንዝተሰከሙ ከመይ ኢላ ኣብ ልዕሊኦም ተሰቐለት፣ቅዱስ ጴጥሮስሲ ከመይ ኢሉ ንክርስቶስ ንዓ ክባርኸካ ክብሎ፣መጺኡምበር ክባረኽ ነይሮዎ፣ቅዱስ ጢሞጢዎስሲ ከመይ ኢሉ ነቲ መምህሩ ቅዱስ ጳውሎስ ንዓ ክባርኸካ ክብሎ ከኣለ፣ቅዱሳን ኮኾብ ካብ ኮኾብ ከምዝኸብር ፈሊጦም ቲሕት ኢሎም በረኸት ይቕበሉ ነይሮም።ናይ ሎሚ ኣቦታትውን በታ ፍጽምቲ ቲሕትነኦም ገይሮም ይምህሩና ኣሎዉ።በሊ ልበይ፣ቲሕት በሊ፣ነፍሰይ ድንን በሊ፣ርእሰይ፣ኣብ ትሕቲተን ንመሎኮት ዝርፍትታ የእዳው ንኽትባረኺ ርእስኺ ኣድንኒ።ቅዳሴ ተወዲኡ፣እተዉ በሰላም ቅድሚ ምባሉ ድያቆን፣ዝብላ ቃል ኣላ፣<<ኣቲሕቱ ርእስኩሙ፣ከመ ይባርክኩሙ እግዚኣብሄር በኢደ ገብሩ ካህን፣>>
ትርጉሙ፣-<ርእስኹም ኣድንኑሞ፣እግዚኣብሄር በኢድ ናይዚ ኣገልጋሊኡ ዝኾነ ካህን ገይሩ ክባርኸኩም ኢዩ።> ይብል።
በሊ ልበይ ልብ በሊ።ንሱ ይባርኸኪ እምበር ነቲ ቅዱስ ካህን ንዓ ድነነለይ ኣይትበልዮም።
ስብሀት ለእግዚኣብሄር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።

søndag 23. april 2017

ዶግዓ፥ ንመን ክተስምዕ ኢካ ተውጭጭ ዘለኻ፧

ብስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።
ኣንቲ ብርዐይ ንስኺ ትሕሺ ደጉዕለይ፡
እዚ ኣርእስቲ ካብ ደጉዓ ዝተወስደ ኮይኑ፡መልቀስ፡ቁዙምታ ማለት ኢዩ።እሞ ኣነስ ኣልቂሰ ምኽኣል ሲኢነዮ፡ልበይ ግዲ ተሪሩ፡ዋላ ክፍትኖ ተደለኹ ኣብዩኒ፡ሓጥያተይ ግዲ በዚሑ፡ንናይ ውሽጠይ ደጉዓ ንኸይወጽእ ብትረት ልበይ ተዓጊቱ።ሓደ ሓደ ግዜ ሰብ ክርኢ እንከለኹ፡መታን ክርኡዩኒ ንኡሽተይ በጨቕ የብል ኢየ፡ግን ኣብዩኒሞ፡ወይለይ፡ወይለይ ወይለኻ ተኽለማርያም።

ቅዱሳን ደጉዓ ክድጉዑ እንከለዉ፡እቲ ዝሰምዕ ዘሎ ሰብ ኣስቆርቂሩ በቲ ቁዞማ ተሳሒቡ ናብ እግዚኣብሄር ይምለስ ነይሩ።ንኣብነት ቅዱስ ኤርምያስ "ደጉዓ" ወይውን ሶቆቃ ዝብል መጽሓፍ ኣሎዎ፡እዚ ንብዙሓት መእምናን ናብ እግዚኣብሄር ሓጥያቶምን፡መቕጻዕቲ እግዚኣብሄርን እናዘከሩ ናብ ኣምላኾም፡ከምዝምለሱ ይገብሮም ነይሩ።ህዝቅኤል፡እዝራ ሱቱኤል ዝብሃሉውን ከማኡ ደጋዕቲ ነበሩ።
ቅንያቱ ህዝብና ብምልኡ ብሓዘን ተዋሒጥሉ ዘሎ ቅነ፡ኣደ ናይ ክልተ ሰለስተ ደቃ መርድእ ተመራሪሑ እንክመጻ፡በቲ ሓደ ድማ ኣደን ጋልን ብሓደ ክጠፍኡ፡ባሕሪ ባዕሉ ኣርዳኣይ፡ባዕሉ ቀባራይ ኮይኑ፡በብንጽል ከይከውን ብጅምላ ንዝተፈጸመ ህልቂት ሓውኹም ልበይ ተሪሩ ከይድጉዕ ኣብዩኒ።እሞ ብርዓይ ነቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ደጉዓ ደርጉሓ ክትነግረኩም ስምዕዋ።ክሓዝን ኢየ፡ግን ንድግል ሕዘ ኢየ ዝሓዝኖ።ብውሽጠይ ክውጭጭ ኢየ፡ኣምላኸይ መታን፡ክሰምዓኒ ኢየ ዝውጭጮ፡ክግዕር ኢየ፡ጋዕረይ ሰማያት ሰንጢቑ ኣብ መምበረ ጻብኦት ከይበጽሐ ግን ኣይከቃርጾን ኢየ።ኣጆኻ ኣይትበሉኒ፡ግደፉ ኣይተጻናንዑኒ፡ዘኽታምካ ዘይኮንኩ፡ካባኹም ዝያዳ ትቐርበኒ ዘመድ ኣላትኒ፡ድንግል ማርያም።ካባኹም ኣብሊጹ ዘፍቅረኒ ዝቐርበኒ ኣቦ ኣሎኒ እግዚኣብሄር።ንምንታይ ድኣ ብሓዘን ተዋሒጥኩም፧ ኣህዛብ ይሓዝኑ ኢዮም፡ግን ክልተ ሓዘን ኢዩ ዘለዎም፡ኣቦ ስለዝሰኣኑን፡ኣደ ስለዘይብሎምን፡ኣነ ግን ተበኸኹ ንብኽያተይ ኣብ ዕማኽ ኢዱ የዕቂሩ፡ንዓይ ከም ኣብ ሕቕፊ ኣዲኡ ከም ዝማመቐ ሕንጣይ ዝራርወኒ እግዚኣብሄር ኣሎኒ።ንንበዓተይ ትነብዓለይ ድንግል ባዕላ ኣላ።
እምበርከ እንተሓንዘኩ፡ካበይ ዝተመሃርኩዎ ሓዘን ኢዩ፧ቁዞማይ ናይ መን ቁዞማ ዝቑዝምዎ ኢዩ፡ዓያሹ ቆዚሞም ስለዘይክእልዎ፡በረኸት ኣይረኽቡን፡ቅዱሳን ግን ዋላ ኣብ ዶጉዓ ከይተረፈ በረኸት ይረኽቡ።(ክፉእን ጽቡቕን ንሱ ክፈቅድ እንከሎ ኢዩ ዝኾውን።(ድ,ኤር3፣38))
ለካ እቲ ኣባና ዝፉኖ ንሓዘን ዝስዕብ ነገር ኣቐዲሙ ከምኡ ንክኮውን ዝፈልጥን ዝፈቅድን እግዚኣብሄር ኢዩ።እግዚኣብሄር ዘይፈቐዶ ነገር ሓንቲ ንጣብውን ትኹን ከምዘይትፍጸም ኣዳዕዲዐ ፈለጥኩ።ድንግል ማርያም ትሓዝን ነይራ፡ግን ከኣ ኣምላኻ ወዳ ኮይኑ ኣብ ሕቕፋ ስለዝነበረ ትጸናናዕ ነበረት። ሓዘን ከም ሴፍ ክስንጥቐኪ ኢዩ ዝብል ትምቢት ምስተነገራ (ሉቃ2፥35)፡ልባ ብስምባደ ተወግአ፡ግን እቲ ዘጸናንዕ ኣምላኽ ምስኣ ወዳ ስለዝኾነ ተረጋግአት።ወዳ ካብ ማህጸና ዝወጸ ጡባ ዝጠወበ፡ንሰለስተ መዓልቲ ዝኣክል ምስ ጠፍኣ ጎሃየት፡ጋሂኣ ዘዝሕል ኣምላኻ ምሳኣ ስለዘሎ ግን ጎሂኣ በነነ።ክትስደድ እንከላ፡ወዳ ክተሓዝ እንከሎ፡ክስቀል እንከሎ፡ክቕበር እንከሎ እዚ ኩሉ ንጋሂኣ ዘጋድድ ኢዩ፡በቲ ኸኣ ንጽንዓታ ዘበራትዕ ኢዩ።ወዳ ስለዝኾነ ጎሃየት፡መድሓኒት ኮይኑ ካብ ከርሳ ስለዝተወልደ ድማ ተጸናንዐት።እዚ ጥራይ ኣይኮነን ዓለም ኣብ ሓዘን እንዳሃለወት፡ነገር ግን ኣብ ሓዘን ከምዘላ ንገዛእ ርእሳ ትፈልጥ ኣይነበረትን፡ድንግል ማርያም ግን ንናይ ዓለም፡ሓዘን ዘርሕቕ ኣምላኽ ምኻኑ ፈሊጣ ዓለም ምሉእ ክጸናናዕ ስለዝኾነ፡ብጽንዓቶም ተጸናንዐት።ዓለም፡ምሉእ ብባርነት ትሳቐ ነበረት ድንግል ማርያም ግን ወዳ ክንሱ፡ግን ከም ገረድ ኮይና ኣብዝኸዶ ኣንዳኸደት መከራ ኣብ ዘጋጠሞ ኣብ መከርኡ እንዳተኻፈለት ብምኻዳ፡ናይ ዓለም ባርነት ደጊም ከብቅዕ ምኻኑ ትፈልጥ ስለዝነበረት ኢያ።እዚ ኩሉ መን መሃራ፧ዓለም ክትጸናናዕ ምኻና፡ባርነታ ክበንን ምኻኑ መን መሃራ፧እቲ ባርነትን ሓዘንን ዘርሕቕ ኣምላኽ ቀረባ ምኻኑ፡እረ ቅርበቱ ኣዝዩ ቀረባ ክሳብ ሰብ ኮይኑ ወድ ሰብ ዝብል መጸውዒ ክለብስ ምኻኑ፡እቲ ኣብ ባርነት ሓጥያት ዝነበረ ድማ ናብ ውሉድ ኣምላኽ፡ወዲ ኣምላኽ ናብ ዝብል ናይ ክብሪ፡ዓቢይ ስም ከምዝወሃቦ፡ድንግል ማርያም ምዓስ ፈለጠት፧
እወ መልኣኽ መጺኡ እቲ ኣምላኽ ገና ከይተገልጸ እንከሎ፡ስጋ ሰብ ለቢሱ ወድ ሰብ ከይተባህለ እንከሎ፡ፍቓደኝነት ካብ ድንግል ክሓትት ነይርዎ።ፈጣሪ እንከሎስ ፍቓድ ካብ ፍጥረት ሓተተ፡ኣቤት ትሕትና፡ኣምላኽና ዓማጺ ኣይኮነን።" ኣነ ክውለድሞ ነዞም ዝሓዝኑ ዘለዉ ግን ከኣ ሓዘንነቶም ዘይፈለጡ ደቀይ ክገብሮም፡ሓዘኖም፡ክቕንጥጠሎም ከምኣቶም ሰብ ኮይነ ክውለድ'የ፡ግን ከምቲ ባህርየይ ንጹህ ዝኾንኩ፡ካብ ንጹሕ ሰብ ብንጹህ ፍቓድ ክውለድ ኣሎኒ።መን ደኣ ኣላ፡እወ ኣብ ምድሪ ኣደ ክትኮነኒ እትኽእልሲ ብዜይካ ድንግል ማርያም መን ኣላ፧ ገብሪኤል ንዓ ኪድ ንድግል ኣበስራ፡ቀስ ኢልካ ከይትስንብድ ስበካ፡እቲ ካባኺ ዝውለድ ቅዱስ ወዲ ሉዑል ኢዪ፡ንዓለም ዘድሕና ዘልኣለማዊ ንጉስ ኢዩ፡ንግስነቱ ካብ ከም ናይ ኣብኡ ዳዊት እካ እንተኾነ መወዳእታ ግን የብላን።ሓዘን ዓለም ኣብ እዝነይ በጺሑ ኢዩ፡ኣውያት ራሄል ኣብ መምበረይ ተሰሚዑ ኢዩ፡እንሆ እቲ ምጽንናዕ ክሰደሉ ዝግበኣኒ ግዜ፡እቲ ካብ ባርነት ከላቕቐሎ ዝመደብክዎ ግዜ ሕጂ ኣኸለሞ፡ፍቓድኛ ኩኒ፡ኣነ ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ ካባኺ ክውለድ ኢየ፡ኣነ ኩሉ ስለዝኽእል፡ከመይ ኢሉ ይኮውን፡ግራት ብዘይዘርኢ፡ሰበይቲ ብዘይሰብኣይ ከመይ ኢሎም ይፈርዩ፡ኣነ ድንግል ኢየ፡ንብሕጂ ዘለኒ ውሳኔውን ክሳብ ዘለኹ ብድንግልና ንኽነብር ኢዩ።ዶስ ኣምላኽ ንድንግልናይ ስለዘይፈተዎ ኢዩ ከፍርሶ ደልዩ ኣይትበሊ፡ኣምላኽ ኩሉ ይከኣሎ ኢዪሞ ዋላ ብድንግልናኺ እንከለኺ ኣትዩ ክወጽእ፡ሕትመት ድንግልናኺ ድማ፡ከይተደፈረ፡ንዘልኣለም ክጸንዕ ዝጽግም ኣይኮነን፡ኢልካ ንገራ። "(ሉቃ1፥26-38)
ኢሉ እግዚኣብሄር ንገብርኤል መልኣኽ ዝኣዘዞ ትእዛዝ ድንግል ማርያም ጽን ኢላ ስለዝሰምዐቶ፡እቲ ምስኣ ዝነበረ፡ኣብ ስደታ፡ኣብ መከረኣ፡ኣብ ሓዘና ኮይኑ ዘጸናንዓ ኣምላኽ ወዳ ብምኻኑ ጥራይ ዘይኮነስ፡እቶም ዝጸናንዑ ህዝቢ ዓለምውን ክንድምንታይ ከምዘደንግጽዋ ስለዝተረደአት፡ካብ ንዓኣ ደስ መታን ከብል ኢሉ፡ዓለም ከይደሓነት ክትተርፍ፡ንሳ ሓዚና ዓለም፡ክድሕን ይሕሸኒ ዝብል ውሳኔ ዝነበራ ኣደ ኢያ።እቲ ዝገርም፡ግን ኩሉ ኣብ ልባ ትገብሮ ነበረት።
ወይ ተኽለማርያም!!! ንመን ክተስምዕ ኢካ ተውጭጭ ዘለኻ፡ንሰብ መታን ክተስምዕ? ኣይፋልካን፡ሰብ ደኣ መሊሱ ሓዘን ክውስኸልካ ተዘይኮይኑ እንታይ ክምልኣልካ ኢልካ ኢኻ ጋሂኻ ተርእዮ።ሓዘንካ ንሰብ ተገዲስካ ካብ ምንጋር፡ንእግዚኣብሄር ተጊህካ ምንጋር ይሓይሽ፡ንሰብ ምንጋር እንደገና ሓዘን ምውሳኽ ኢዩ፡ንእግዚኣብሄር ምንጋር ግን ሓዘንካ ዕረፍቲ ምርካብ ኢዩ።ድንግል ማርያም ነቲ ምስኣ ዝነበረ ወዳን ኣምላኻን እንዳሃበት እዚ ኹሉ መዋእል ሓዘና፡ድምብርጽ ኣይበላ፡እናሻዕካድኣ ትጸናናዕን፡ንኻልኦት ተጸናንዕን ነበረት።ቅዱሳን ክሓዝኑ እንከለዉ፡ሓዘኖም ንሕዙናን፡መጸና
ንዒ ኢዩ፡እምበር ሓዘን፡ኣይውስኸሎምን ኢዩ።
ቅዱሳን ሓዘን ክሰምዑ እንከለዉ ቅድሚኦም እግዚኣብሄር ከምዝሰምዐ ስለዝፈልጡ፡ተቓዳዲሞም፡ንዑ ረኣዩለይ፡ንዑ ስምዑ ኣነ፡ከምዚ ረኺበ፡ኣታሕዝኑኒ እንዳበሉ ፈቐዶ ማስመድያን፡ፌስቡክን ክዝርግሕዎ ዘይኮነስ፡ነቲ ቀረባ ዘመዶም፡ዝኾነ ኣብ ውሽጦም ዝርከብ ኣምላኽ ሓዘኖም ይነግርዎ። ንሱ ድማ ቅድሚ ኩነት ፈሊጡ ስለዝጸንሕ ድኻም እምነቶምን ግብሪ ሓጥያቶምን ከይረኣየ ይዕረቖም፡የጸናንዖም ድማ። "ወእሙሰ ተዐቅብ ዘንተ ኩሎ ነገረ፡ውስተ ልባ።"
ትርጉም ኣዲኡ ድማ፡ ነዚ ኩሉ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት።(ሉቃ2፥51)
ወይ ናይ ሎሚ ሓዘን ኣምላኽ ከምዘይብሎም፡ኮይንካዶ ይሕዘን ኢዪ፡ዋይ ናይ ሎሚ ኣውያት ኣምላኽ ንኽሰምዓካዶ ኣይኮነን፡ዝእወዮ፧ ዋይ ናይሎሚ ብኽያት ኣምላኽ መታን ክሕብሰልካዶ ኣይኮነን ዝልቀሶ፧ዋይ ናይ ሎሚ ኣስቆቅሮ፡እግዚኣብሄር መታን ክእብደካዶ ኣይኮነን ዝስቅርቆሮ፧( ራእ21፥4)
እሞ እንታይ ደኣሉ ዝበሃሎ፧ ኣምላኽ ሽግር ከምጽእ እንከሎስ ስለዝጸልኣናድዩ፧ ኣይኮነን ብፍጹም!!! ስለዘፍቀረና እምበረ።ወድሰብ ሓዘን ምስረኣየ ተመላሲ ኢዩ፡ምስኣስቆርቆረ ናይ ልቡ ምስ በኸየ፡ንኣምላኹ "ኣነ ኢየ በዲለካ፡እዚኹሉ ዝርእዮ ዘለኹ ሓዘን ዘስዕብ መከራ፡ኣነ ስለዝበደልኩ ኢዩ፡ኣነ ናባኻ መታን ክምለስ ኢልካ ዝገበርካዮ ኢዩ፥"ኢሉ ብዝጠዓስ ልቢ ሂቡ ኢዩ ፈጢርና።ሓደ ናይ ብሓቂ ሓዘን ዝርደኦ ሰብ መንነቱ ዝፈለጠ ሰብ ይመስልሞ፡ብቐጥታ ሞት ስለዝረኣየ፡ሓጥያቱ ተናዚዙ ድሉዎ ኮይኒ ይጸንሕ።ሞት ከጋጥም እንከሎ፡ሽግር ክፍጠር እንከሎ ስዉር ጥሩምባ እንዳተነፍሐ ኢዪ፡እግዚኣብሄር ብዘይርአ ጥሩምባ ገይሩ ነቶም ዘለና ደቁ ካብ ጥፍኣትና መታን ክንምለስ መቕጻዕቲ ይሰደልና።እምበር ስለዝጸልኣና ኣይኮነን።ተዝቑጣዕሲ ኣብ ቅድሚ ቁጡዑ መን ክቖውን ይኽእል፧ ነገር ግን መጽሓፍ ክምህረና እንከሎ" እስመ መቅሰፍት እመዐቱ፡ወሓይው እምፈቃዱ
ኩራኡ ንቕጽበት ዓይኒ ኢዩ፡ጸግኡ ግን ንምሉእ ዕድመ፡ይጸንሕ።" ይብል።(መዝ30፥5)

እግዚኣብሄር ስለዘፍቀረና ይቐጽዓና ኣሎ፡እወ ይቕጸዓና፡ክሳብ ንምለሶ፡ይቕጸዓና።ካብ ስቕ ኢሉ ክርእየና፡ይጥፍኡ ባዕሎም ይፈልጡ ኢሉ ስቕ ኢሉ ካብ ዝርእየና፡ክሳብ ንምለስ፡ናብ ንስሓ ክሳብ ንሕቆፎ፡ወገናተይ ብመግረፉ ኣይነግረምርም።እዚውን ንሕና ስለዝኾንና ኢና ረኺብናዮ።ኣቦ ንውላዱ ክሳብ ካብ ዕውልና ዝምለስ፡ኩሉ ግዜ ኢዩ ዝቐጽዖ፡ስለዝጸልኦ ግን ኣይኮነን።ስለዘፍቀሮ ኢዩ።ብምቕጻዕቲ እግዚኣብሄር ክንኩሪ ዘይኮነስ፡ኣበሳና ሸፊንንና፡ንዑኡ በደለኛ ክንገብሮ ዘይኮንና፡ንሕና በደለኛታት ምኻንና ኣሚንና ናብ እግዚኣብሄር ንመለስ።ኣይነግረምርም፡ኣምላኽና ቀረባ ኢዩ፡ልብና ከፊትና ሓዘንና ንዑኡ ንንገሩ ክሰምዓና፡ከጸናንዓና፡ኣብ ሽግርን መከራን ከበርትዓና ክዘርየልና ኢዪ።
ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኣፍሪቃን ብፍላይ
ንግዳያት ስድራቤታት እግዚኣብሄር መጸናንዒ መንፈስቅዱስ ይስደሎም ፡ንዝጠሓሉ ኣብ ናይ ቅዱሳን ስፍራ የምብሮም ኣሜን።
ወስብሀት ልስሉስ ቅዱስ፡ስብሀት ለማርያ ድግንል ብ2ኤ
ወስብሀት ለመስቀሉ ኣሜን

søndag 16. april 2017

በእንተ ቅድስት ትንሳኤ፣- ዛቲ ዕለት ይኢቲ ተንስአ ዘኢይነወመ።

እዛ ዕለትዚኣ፡እቲ ወትሩ ዘይታኸስ ዝተንስኣላ ዕለት ኢያ።
ዛቲ ዕለት ይኢቲ ተንስአ ዘኢይነወመ።
እዚ ትንሳኤዚ፡12 ዝነበሩ 11 ዝተረፍሉ፡ሕቡኣት ደቀመዛሙርቲ ዝተገልጽሉ፡ናይ ግልጺ ደቀመዛሙርቲ ዝተሓብእሉ፡ተሓዚ ማሕፉዳ ተሓኒቑ ዝሞተሉ፡ፊደል ዘይቆጸረ ዝነበረ ሊቀ ሃዋርያ ግን ብንስሓ ልቡ ዝሰበረሉ፡ቅዱሳን ኣንስቲ ናብ መቓብር ገስጊሰን ዝተበሰራሉ፡እቶም ኣሰቡኡት ግን ነቲ ብስራት ከም ዕሽነት ዝቖጸርሉ፡ነዚ ንምምስኻር ሓደ ሽማግለን፡ሓደ ደልዳላ መንእሰይን ናብ ናይ ጎይታ መቓብር ቸክ ንምባር ቅድድም ዝገበርሉ፡እቲ ሽማግለ ሃዋርያ ዲሒሩካ ኣብቲ መቓብር እንተበጽሐ፡እቲ ትሕትና ዝተማህረ ሃዋርያ ግን ክሳብ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝመጽእ ደው ኢሉ ተጸብዩ፡ናይ ትሕትና መምህርነት ኣሀዱ ኢሎም ዝጀመርሉ፡ኣብ ማሕበረ ሃዋርያት ዕልልታ ኣብ ማሕበረ ቀያፋ ግን ፍርሒ ዝተደርጉሓላ ዕለት ኢያ።
ትንሳኤ፡ዘይድቅስ ኣምላኽ ዝተስኣላ፡ዘይሞውት ፈጣሪ ብስጋ ተቐቢሩ ብተኣምራዊ ስራሕ ተዋህዶ ዝተንስኣላ፡ናትና ፍኖትና ትንሳኤ፡ናቱ ግን ኩሉ ግዜ ትንሳኤ፡ ኩሉ ግዜ ምስነቐሐ፡ኩሉ እንዳኸኣለ ከምዘይክእል ካብ ዝቕበር ሳልስቱ፡ንኹሉ ዝምግብ ክንሱ፡ረዳኢ ከምዝሰኣነ በይኑ ጻድቕ ኮይኑ ኣብ ማእከል ክልተ ሸፋቱ ተሰቒሉ ነይሩ፡ጽሓይን፡ወርሕን፡ንብዓተን ዝነዝሓሉ፡ኣኻውሕ፡
ብፍጹም " ንስኻ ትእዝዘናምበር ንሕና ናይ ኣዛዝነት ስልጣን ስለዘየብልና ኣይንቐብረካን፡ፍጹም ኣይንበቅዕን፡" እንክብሉ ኣብ ከክልተ ዝተጨድሉ፡ምድሪ ኣብኣ ንዝቕበር ፈጣሪኣ፡ጽንጽንታ ግዲ ሰሚዓ፡ኣምላኽ ኣብ ከርሳ ክቕበር ብምኻኑ ፍርሒ ብዝተሓወሶ ውጫጨ ንዮ ነጆው ኢላ ኣንቀጥቂጣ ብምባራ፡ሕጂ ግን ብዘይ ጨዳድን ብዘይ ምስባር ከውሕን ብሕቱም መቓብር ዝተንስኣሉ ዕለት ኢዩ።
ኣየ ምድሪ!!! ክንደይከ ትደፍሪ፡ነቲ ፈጣሪኽስ ቀበርክዮ፡ነቲ ዝሰርሓክስ ዓበጥክዮ፡ነቲ ኣዳም ንምስራሕ ብዕሙኺት ኢዱ ዝጨበጠክስ፡ንሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ኣብ ከርስኺ ዓሚኽክዮ ቀነኺ።
ኣቤት ፈጣሪ፡ክንደይ ይትሕት።ለካ መምህርት ትሕትንኡስ፡ንዓና ንሰባት ጥራይ መሲሉና እምበር፡ዋላ ንምድርን ንኻልኦት ፍጥረትን ውን ምሂርዎም ኢዩ።ምንጪ ድልዳለ ናይ ኣኻውሕ ካብ ክርስቶስ ክንሱ፡ክርስቶስ ኣብ ዝተወቕረ ክውሒ ተቐብረ፡ዕንጸይቲ ፍጥርቲ ክንሳ፡መስቀል ዝብል መዓርግ ተሸሊማ ፈጣሪድማ ዙፋኑ ገይርዋ ውዒሉ፡ምውታን ዝቕበርሉ ሲኦል፡ኣዝዮም ጨነውትን፡ሓጥኣንን ንኽቕመጥሉ ዝተፈጥረ ኣዝዩ ጨናዊ ስፍራ ክንሱ፡ምንም ሓጥያት ዘይብሉ ምኡዝ ጨና ምሕረት ዘለዎ ክርስቶስ ናብቶም ተማሪኾም ዝነበሩ ተቐማጦ ናይ ሲኦል ብምኻድ ብስራት ኣወጀ።ክንድምንታይ ይርህርህን ተኣምርን ኢዩዚ!!!
እዛ ትንሳኤ እዚኣ፡እቶም ሰብኣ መቓብር ብዝተንስእሉ መንጽር፡ብሓጥያትነት ደቂሶም ዝነበሩ ከምዚኸማይ ክርስትያን ድማ ዝነቕሑላ፡ሃዋርያት ብሓጎስ ብዝተሳራሰሩላ መንጽር፡ብትንሳኤና ድማ ኣብ ሰማያት ዓቢ ሓጎስ ዝእወጀላ ዕለት ኢያ።
ለካ ናይ ክርስትና ከይዲ ህይወት፡ናይ መወዳእታ ዕላምኡ ኣብ መቓብር ተዝኸውን፡ኣጋንንቲ ከይተረፈ ምደንገጹ።ግን ናይ ክርስትና ዕላምኡ ትንሳኤ ኢዩ።መርፍእ ብዝሓለፎ ክሪ ክሓልፍ ግድን ከምዝብሃል፡ክርስቶስ ዝሓለፋ ፍኖት ድማ ኩሉ ኣዕዋቲ ኢዩ።ንሱ ዝረገጻ ኣሰር ክንረግጻ፡ንሱ ዝተንከፋ ኣሰረ ኣጻብዕቲ ክንድህስሳ፡ንሱ ዝተንሳኣ ናይ ሞት ትንሳኤ፡ክንቀምሳ፣ንሱ ዝተሰከማ ሸኸም ምስካምን ምስዓብን እንኮ ናይ ክርስትና ዕላማ ኢዩ።
ክስትውዓል ዝግብኦ ሓደ ነገር ግን ኣሎ፡ናብ ሃገረ ሲኦል፡ስለዝኸደ፡ንዑኡ ብምስዓብና ናብኡ ናብቲ ሲኦል ክንከይድ ማለት ኣይኮነን፡ኣብ ምድሪ ንዘጋጥም ሲኦላዊ መከራ ክንቅብል ግን ሕገ መከራ ሲኦል ይእዝዝ ኢዩ።ወይ ከይተሳቐኻ ጽናሕሞ ኣብ ሲኦል ንዘልኣለም ተሳቐ፣ወይ ሕጂ ኣብ ምድሪ ነንእሽቶ ጭላፋት ናይ ሲኦል ተጸመምሞ፣ድሕሪ ሞት ፍጹም ዕረፍቲ ክህልወካ ኢዩ ዝብል መርሀ ግብር ዝሓዘ ኢዩ።
ህጻን ክሕከም ተኾይኑ ቃንዛ ናይ መርፍእ ክጻወር ኣሎዎ።ክርስትና ኣብ ፍጻመ ክበጽእ ተኾይኑ ድማ፡ካብ ሲኦል ዝተጨለፈት መርፍኣዊት መከራ ክትቀምስ ግድን ኢዩ።ኣደ እቲ ሓኪም ዝወደቐ ህጻና፣ህጻና ክሕከም እንከሎ፡ናይቲ መርፍእ ዘምጽኦ ጣጣ ተመልኪታ ናይ ወዳ ቃንዛ ዘይኮነትሲ፡የዒንታ ክንዮ መርፍእ ዘሎ ፍወሳ ኢየን ዝርእያ።ክርስቶስውን ክንዮ መከራና ዘሎ ናይ ዓወትና ምጉንጻፍ እምበር ከም ደቂ በጃኽን፡እንዳሞትና ስቕ ኢሉ ዝቐትል ሓኪም ኣይኮነን።ወገነይ ክርስትና ኩንትራት ኣይኮነን፡ትማሊ ተንሲእካ ስለዝነበርካ ብናይ ሎሚ ውድቀትካ ንድሕሪት ኣይትደቖስ።ክርስትና ተደቒስካ ምትራፍ ዘትኮነስ እንዳወደቕካን እንዳተንሳእካን እትጎይዮ መንፈሳዊ ማራቶን ኢዩ።ተንስእ እምበር መሊስካ ኣይትቀበር፡ክርስቶስ ዝተቐበረ ንስኻ መታን ክትትንስእ ኢዩ፡ክርስቶስ ዝተንሰአ ድማ ትንሳኤኻ ማዕረ ክንደይ ንቅዱሳን ከምዘሕጉሶም ንኽምህረካ፡ተስፋ ሰማያት ከርእየካ ስለዝደለየ ኢዩ።
መምህር ትንሳኤ ዝኾንካ ኣምላከ ኩሉ ፍጥረት ክርስቶስ ኣምላኽና ተመስገን።
እንካዕ ኣብዚ ክቡር ዕለተ ትንሳኤ ኣብቀዓና።
ወስብሀት ለእግዚኣብሄር።

torsdag 6. april 2017

በእንተ ጥንተ መስቀሉ

በስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን፡
ጥንተ መስቀሉ
ጥንተ መስቀሉ ዝብሉ ብክልተ ቃላት ዝቖመ ሓረግ ኢዩ።በዚ ኣርእስቲዚ ተመሪሐ ብብርዐይ ክሕንጥጥ ዘገደደኒ፡ስለ 3 ነጥብታት ኢዩ።ትርጉሙን መልእኽቱን ጥንተ መስቀሉ፡መስቀል ኣብ ክርስትና ከመይ'ዩ፧ ንምንታይ ኢዩ ዓመታዊ ጥንተ መስቀሉ ኣብ 27 መጋቢት ኮይኑ ዝብሉን ካልእን ኢዩ። ኦ ብርዐይ እንሆ መንፈስ ቅዱስ ንቅዱሳን ዘስተማህሮም ሕጅውን መንፈሳዊ ወኒ ኣላዓዒሉኒ ኣሎሞ ኣየ ተኣዘዚ ዘዝበልኩኺ ጽሓፍለይ።በዚ ንስኺ እትጽሕፍዮ ብዙሓት ነፍሳት ብጽምኢ ቃል እግዚኣብሄር ነፍሳዊ ጎረረአን ዝነቐጻ፡ብጉድለታዊ ናይ ነፍሲ ፍልጠት ኣእሙረአን ዝዓሸዋ፡ክኾነኦ ዝግበአን፡እንዳፈለጣን እንዳሰመዓን ዝሞታ ነፍሳት ኣብዛ ዓለም ኣዕለቕሊቐን፡ኣሎዋሞ፡ንዓይ ምስአን ሓዊስኪ ሃየ መልእኽትኺ ኣማሓላልፊ።እንዳሰመዐ ዝሞተ እንዳረኣየ ንቕበሮ ኢሎም ዝምስልዎ ተዛረብቲ ኣባይን ኣብዘን እንዳሰመዓ ሓንጊደን ዘለዋ ነፍሳትን ከይፍጸምሞ፡ኣብ መስቀል ተኾኒኑ ዝነበረ ሞት ሒጂ ስልጣን ተዋሂቡ ከይውሕጠን ሃየ ቀድምዮ።እግዚኣብሄር ምስጢሩ ይግለጸልና።

1)ትርግሙን መልእኽቱን ናይ ጥንተ መስቀሉ፦
ጥንተ መስቀሉ ዝብል ክልተ ቃል ኢዩ፡ጥንተ ማለት ቀደምምም፡ቅድሚ ነዊሕ እዋን
( ቅድሚ2008 ዓመታት)፡ዘመናት ዘሕለፈ ብዝብል ካብ ግእዝ ብቐጥታ ይትርጎም።መስቀሉ ማለት ድማ፡ሕማማቱ፡መከረኡ፡ስቅያቱ፡ብሰባት ምንዓቑ ብሓፈሻ 13 ሕማማተ መስቀሉ እንዝክረሉ መንፈሳዊ ሓሳብ ዝሓዘለ ኢዩ።መስቀል ዝብል ትርጉም ኣመሳቀለ፡ናብ ኣርባሕተ ማእዝን ዘርግሐ፡ተደመሮ ዝመስል ቅርጺ ገበረ ዝብልውን ይትርጎመልና ኢዩ።ኣብዚ ክልተ ጫፋትዚ ጥንተ መስቀሉ፡ዝበሃለሉ ዘሎ፡እቲ ብስጋ ዝተገልጸ፡ብመልእክት ብጋሶትን ዝተመስገነ፡ሰብአ ሰገል መጽኦም፡ዝሰገድሉ፡ሕጻን ዮሐዋንስ ኣብ ከብዲ ኣዲኡ እንከሎ፡ ኣብ ማህጸን ቅድስት ድንግል ማርያም፡እንከሎ ዝሰገደሉ፡ኣይሁዳውያን ልደቱ ኣበይ ኢዩ ተባሂሎም ምስ ተሓተቱ ፈጣርነቱ ስለዝዘንግዑ መታን ክቕተል " ኣንቲ ቤተልሄም ምድረ ኤፍራታ ኢትተሃቲ እምነገስተ ይሁዳ፡እስመ ይምነኪ ይወጽእ ንጉስ ዘይርእዮሙ ለህዝብየ እስራኤል ትርጉሙ ኣንቲ ኣብ ኤፍራታ ዘለኺ ቤተልሄም እንሆ ንህዝበይ 20ኤል ዝጋሲ ንጉስ ካባኺ ክወጽእ ኢዩ፡"ንዝብል ትምቢት ተጠቒሞም ንሄረዶስ ዝሓበርዎ፡ነገርግን ብንግስነቱ ዘይኣመኑሉ ህጻን ናዝራዊ ኢዮሱስ ክርስቶስ ኢዩ።
(ሉቃ2፣13-20+
ማቴ2፥5-6+ ሉቃ1፥44 ተመልከት)
እዚ ህጻንዚ ብብዙሓት ዝተናዕቀ ግን ከኣ ንብዙሓት ንዑቓት ዝሓቖፈ፡ብምድራውያን መምሃራን ናይ ኣይሁዳውያን ዝተማህረ ግን ከኣ ብዘሎ መዝገብ ፍልጠት ናይ ኩሉ ፍጥረት ከይተረፈ ፈትፊቱ ዝፈልጥ እረ ሰማያውያን መላእክት እንካን ልካዐ ፍልጠቱ ዘይምርምርዎ፡ብናይ ሓንቲ ድንግል ኣጥባት ጠብዩ ዝዓበየ ግን ከኣ ንዝረኣዩን ዘይርኣዩን ፍጥረት ከከም ዘድልዮም ዝምግብ መጋበ ኩሉ ስጋ ወነፍሲ ዝኾነ፡ሓንቲ ድንግል፡ ማርያም እትበሃል ኣብ ማህጸና ን9 ወርሕን 5 መዓልትን ኣብ ዝባና ድማ ን3 ዓመት ጸይራቶ ዝተንከራተተት ግን ከኣ ንሰማይን ምድርን ኣንቆልቂሉ ዝጥምተን ማንም ፍጥረት ክስከሞ ዘይከኣል ፈጣሪ ኩሉ ፍጥረት፡ከም ዝሓመመ፡ሓመምኩ፡ከምዝተሃረመ ተሃረምኩ፡ከምዝደኸመ ደኸምኩ፡ከም ዝሓዘነ ነባዕኩ፡ከምዝደመየ ቆሰልኩ፡ከምዝተሸንከረ ኣብ መስቀል ተሰቐልኩ፡ከም ዝደኸመ ኤሎሄ ኢሎሄ ላማ ሳባቕታኒ ኣምላኸይ ኣምላኸይ ንምንታይ ገደፍካኒ እንክብል ግን ከኣ ነቶም ዝሞቱ ካብ ምውታን ዘተንሰአ፡ነቶም ዝሓመሙ ሕማሞም ዝተሰከመ፡ነቶም ዝደመዩ ቁስሎም፡ዝዘነነ፡ነቶም ኣኣብ ዘመኑ ስለስሙ ኣብ መስቀል ዝተሸንከሩ ካብ መስቀል ሓራ ኣውጺኡ ኣኽሊል ሰማያዊ ዓስቢ ዝሃበ፡ነቶም ኣብ መቓብር ጉድጋድ ሲኦል ን5500 ዘመናት ተዳጊኖም ረዳኢ ሲኢኖም ዝነበሩ በርቢሩ ሰላም ለኩሉኩሙ ብምባል ብሰላም ናብቲ ዝጸናንዕሉ ስፍራ ዝመለሰ፡ ነቶም ዝጸምኡ ደሙ፡ነቶም ዝጠመዩውን ስግኡ ዘርወየን ዝመገበን፡ሓጥኣን ክሳብ ሕጂ ዘይፈለጥዎ ቅዱሳን ግን ፈጺሞም ዝተረድእዎ ምስ ስሉስ ቅዱስ ማዕረ ኣምላኽነት ማዕረ ሓያልነት፡ማዕረ ፈጣርነት ዘለዎ ናይ እግዚኣብሄር ስጉው ቃል ኢዮሱስ ክርስቶስ ኢዩ።
ኦ ሰብ ጥንተ መስቀል ኣምላኽ ትሩመ መልእክቱ ተመልከት።እግዚኣብሄር ንመስቀል ፈጠራ፡ግን ኣብኣ ተሰቒሉ ከኣ ኣድሓነካ፡እግዚኣብሄር ንዓኻ ነዛ ዕጸዚኣ ከይትትንክፋ፡ከይትበልዓ ኢሉ ከልከለካ ንስኻ ግን ብድፍረት ተወጢርካ፡ብሰጣናዊ ምኽሪ ነታ ገረብ ኣድመኻያ፡፡ፍሬኣውን ቀንጢብካ በላዕካ፡እሞ እግዚኣብሄር ድማ ኣብዛ ዘድመኻያ ገረብ ባዕሉ ብፍቓዱ ከምቲ ብገዛእ ኢድካ ነታ ገረብ ዘድመኻያ፡ሕጂውን ብኢድካ ኣብዛ ብገረብ ዝተሰረሐት መስቀል ደመየ።በል ነታ ገረብ ምስ ኣድመኻያ ደስ በለካሞ ካብ ፍሬኣ ቀንጢብካ ድማ በላዕካ፡እንተኾነ እቲ ፍረ ኣይጠቐመካን እካደኣ መርገምን ሞትን ኣምጻልካ።ክላ ግዳ እነሆ ባዕልኻ ዘድመኻዮ ኣማናዊ ብልዕን ኣማናዊ ዝተጸምቄ ካብ ኩሉ ብሉጽ ፍረታት ዝበለጸ ዘለላ ወይንን ምእንቲ ክትሰትን ክትበልዕን እነሆለ ፈጣሪኻ ኣብታ ገረብ ተቒሉ ብኢድካ ደመየ።ዘለልኡ ክሳብ ኣርባዕቲኡ ማእዝን ዓለም፡ዝዝርጋ ውሕጅ ኮነ።ነቶም ዝኣምንዎ ሓንጊርዎም ናብ መንግስተሰማይ ዝኸይድ ናይ ዘለላ ውሕጅ ኢዩ።ነቶም ዘይኣመንዎ ግን ከም ብርቱዕ ውሕጅ ጸርጊፍዎም ናብቲ መወዳድርቲ ዘብሉ ጥልቀታዊ ሲኦል ዝወስድ ጋሻ ውሕጅ ኢዪ።እሞ ኣንታ ወድ ሰብ ልብ ግበር።እንዳ ጠመኻ ዘዕግበካ መግቢ ፍለጦ፡እንዳጸማእካውን ብጽምእኻ ኣይትምበር፡ባዕልኻ ዘድመኻዮ ጎይታ ብፍቓዱ ንደምካ ባህሪኡ ገይሩ ኣምላኻዊ ናይ ርውየት ፈውሲ ዝህብ፡ንስጋኻ ባህሪኡ ገይሩ ኣምላኻዊ ሕክምና ናይ ነብሲ ዓጸቦ ዝዕንግል እግዚኣብሄር እነሆለ ኣይትዓሹ ልብ በል።
2) መስቀል ኣብ ክርስትና ከመይ ኢዩ፧መጽሓፍ ቅዱስ ክሰብከና እንከሎ "ዘይፈቅድ ይተልወኒ ይጽለኣ ለነፍሱ፡ወያጠብዕ ወይንሳእ፡መስቀለ ሞቱ፡ወኩሉ ዕለት ይተልወኒ።ትርጉሙ እቲ ክስዕበኒ ዝደሊ ገዝእ ርእሱ ይኽሓድ፡መዓልቲ መዓልቲ ውን ሞተ መስቐሉ ተሰኪሙ ይስዓበኒ።" (ሉቃ9፥23) ኢሉ ይምህረና።ኣንታ ወገነይ ኣብ ክሳድካ ዘሎ መስቀል መመላኽዒ፡ሰባት ጽቡቕ ኮይንካ መታን ክትረኣዮም፡ብፍላይ ብሪቕ-ሪቕ ዝብል ብሩራዊ መስቕል ስለዝገበርካ ኣቤት ኣቤት ኣቤት መታን ክበሃለልካ ኣብ ክሳድካ ተንጠልጥሎ እንተለኻ ፍጹም መንገድኻ ስሒድካ ኣሎኻ።እዚ ኣብ ልዕሊ፡ክርስቶስ ንዕቀት ኢዩ፡ክርስቶስ ደም፡ዘፍሰሰሉኮ ስጋዊ መልክዕካ መታን ክኹላዕ ኣይኮነን ስጋዊ ኣካልካስ መታን ክዋረድ እረ ክሳብ ንሞት ከይተረፈ ስለስሙ ተኣዛዚ ንኽኾውን እምበር። ብኹቡር ዝዋግኡ ብብሩር ዝተሰረሐ መስቀል ክትገዝእ ዝዓደመካ ምኽንያት እንታይ ኢዩ፡ምድራዊ ፋሽን፧ወይ ጉድ ኣምላኽካስ በል ምስ ዘመን ዝቀያየር ኣምላኽ ዘይኮነስ ዘመናት ዘይቅይርዎ ዘልኣለማዊ ኣምላኽ ኢዩ።ንሱ ናይ ሞት መስቀልካ ጸይርካ ደድሕረይ ሰዓበኒ እንዳበለካስ ንስኻ ግን ዘመናዊ መልክዕ መታን ክወሃበኒ ደኣለይ ዝስዕበካን መስቀልካ ዝኣስርን እምበር፡ክብሩሲ ክሳብ ክንድዚ ገይረ ከኽብሮ ኣይግደይን'ዩ በልካ።
በል መልኽቲ ኣምላኽካ ተመልከት፦ኣነስ ክርስትያን ኢየ፡ግን ምስቀል ክስከም ከለኹ ሞት ክርስቶስ፡መከራ ክርስቶስ፡ተበጃውነት ክርስቶስ፡ተልእኾ ክርስትና ወዘተ ዝብሉ ሓሳባት ክመላለሱኒ ዝግበኦም፡በንጻሩካደኣ ፈጺመ ሓሲበሉ ኣይፈልጥን።ኣብ ከተማ ይዛወርሞ፡ሓደ መስቀል ክርስቶስ ኣንጠልጢሉ ክንሱ ብስኽራን ጺእ-ጺእ ጨንዩ ይጸንሓኒ፡ኣብ ካልእ ኣንጎሎ ይኸይድሞ መስቀል ዘንጠልጠሉ ግን ከኣ ዝዝምዉ፡ዝሕስዉ፡ኣብዘይክየድ ቦታ ዝኸዱ፡ብፍቕሪ መከራ ናይ መስቀል ደስ ኢልዎም ክውለፉ ዝግበኦም፡በንጻሩ ብፍተታት ስጋ፡ከም ሽጋራ፡ቡን፡ሓሽሽ፡ጫት፡ትምባኾ፡ባንጎ ወዘተ ንምዝራቦካ ጸሌዮ፡በዚኦም፡ክውለፍ የዒንተይ ካብዝርእያ ነዊሕ ኣቕጺረን።ኣነስ ውሱን ርሕቀት ክርኢ ዝኽእል ፍጥረት ኢየ፡እግዚኣብሄር ነተ ዝረኣዮ እንተዝድርግሖስ ክንደይ ንመስቀል ዝጻረሩኮን ምተረኽቡ፧መሊኦም።ኣነ ንባዕለይ መስቀል ተሰኪመ፡ክርስትያን ዝብል ስም ተሓንጊጠ፡ኣብ ቤት ክርስትያን ስም ክርስቶስ ዝጽወዓሉ ስፍራ ብትዕቢት፡ብክፋእ፡ብንዮተ ኮንቱ ውዳሴ እልፊ ዘይብሎም ደቀቕቲ መሲሎም ዝረኣዩ ግን ከኣ ንመስቀል ክርስቶስ ዝጻረሩ ጠባያት ካብ ዝለማመዶም ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ።ኦ እግዚኣብሄር ንሕና ናትካ ኢናሞ፡ናትካ ኮይንና ክንነብር ሓይሊ ሃበና፡ኣብ መስቀል ዘቕረብካዮ ንጹሕ መስዋእቲ ንሕና ዓቂብናዮ መታን ክንነብር ጥራይ ዘይኮነስ ምስ ተኸተልናካ ንሱ ዓስቢ መታን ክህበና፡ክሳብ ቀራንዮ ምሳኻ ምስ ሰዓብና ንሱቲ መስቀል ድማ ናይ ብናይቲ ላዕላዩ ቀስቲ ሕዚና ክሳብ ሰማያት ንኽበጽሕ'ዩሞ፡ነዚ ክንርደኦን፡ክንስዕቦን እቲ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ ሓይልኻ ሕጂ የድልየና ከምዘሎ ንስኻ ትፈልጥ፡ኣሜን
3) ጥንተ መስቀሉ ዓመታዊ በዓል ስለምንታይ 27መጋቢት ይውዕል፧
እወ ቅዱስ ድሜጥሮስ ዝበሃል ቅዱስ ኣቦ፡ብዛዕባ ቀመር ናይ ዓመታዊ ዑደት ናይ ግዜያት ክውጥን እንከሎ፡ንኹሎም መንፈሳውያን በዓላት ከከም ዝግበኦም፡ኣኣብ ኩነታቶም ነንዘመኑ ዘመሓላልፍዎ መንፈሳዊ መልእኽቲ ንኽጥዕም ብመንፈሳዊ ቅኒት ተመሪሑ ወጠነ።ኣብ ናይ ጎይታ ዕለተ በዓል እንክበጽሕ ግን ፍጹም ተሸገረ።በዓለ መድሂን ዓለም ዕለተ ዓርቢ ኢዩ ዝውዕል፡በዓል እንተኾይኑ ድማ መንፈሳዊ ሓጎስ ዝድሰቶ፡መንፈሳዊ ፌስታ ተደርጊሑ ናይ ሓጎስ ጥሩምባ ዝእወጆ ዕለት ኢዩ ክኾውን።እዚ ቅዱስ ኣቦ፡ኣዝዩ ብመንፈሳዊ ብስለት ዝተቓነየ ኣቦ ስለዝነበረ፡" ብዕለተ ዓርቢሲ መከራ ጎይታ እንዳዘከርካ ስጋኻ ብጾም፡ ብጾሎት፡ብስግዳን ተድክም እምበር ከመይ ገይረ ኣብዚ ዕለትዚ ስጋይ የዕሪፋ ትውዕል።እዚ ዕለትዚኮ ጎይታ ስለሓጥያተይ ክብል ዝተንከራተተሉ ኢዩ፡እሞ ኣነኸደኣ ኣብዚዕለት ሓጥያተይ እንዳተነሳሕኩ ክሰግድ ደኣ ይግባእምበር ከም ቀዳመ ሰምበት፡ከይሰገድኩ ክውዕል፡"ኣብዝል መንፈሳዊ ወጥሪ ኣተወሞ፡መንፈስ ቅዱስ ተገሊጹ እወ ሓቂኻ ኣሎኻ ክቡር ድሜጥሮስ፡መዓልቲ ክብረ በዓለይ ኣብ ዕለተ ዓርቢ ክኾውን ኣይግበኣንሞ ኣብተን ካልኦት መዓልታት ግበረን ክቕድሰልካን በዚ ዕለትዚ መንፈሳዊ በዓለይ ኣዳሊኻ እንተጸዋዕካኒ ጾሎትካ ሰሚዐ ክባርኸካ ኢየ፡ኢሉ ቃሉ ኣስመዐ።

መጽሓፍ ቅዱ ከምዚ ይብል"ወይዝክሩ ወይትመየጡ፡ሀበ እግዚኣብሄር፡ኩሎሙ ኣጽናፈ ምድር፡ወይስግዱ ቅድሜሁ ኩሎሙ በሐውርተ ኣህዛብ።ትርጉሙ፦ ኩሎም ህዝብታት ንእግዚኣብሄር ክዝክርዎን፡ናብኡ ክምለሱን ኢዮም።ብዘለዉ ነገድ ኣህዛብ ውን ኣብ ቅድሜኡ ክሰግዱ ኢዮም፡እግዚኣብሄር ንጉስ ኢዩ፡ንኹሎም ኣህዛብውን ይገዝኦም፡ኩሎም፡ሃብታማት ምድሪ በዓል ክገብሩን ክሰግድሉን ኢዮም።ሞት ዘይተርፎ ፍጡር ክሰግደሉ ኢዩ"ይብል።
(መዝ22፥27-29)

ስለዚ ናይ ሓሶት ዝበዓል ንመፍረዪ ሓጥያት ተባሂሉ ዝተዳለወ መዓልቲ ሓሶት ብሓጥኣን ዝኽበር በዓል ኣሎ፡ናይ ሓቂ ዝኽበር ጽድቂ ዘፍሪ መዓልቲ ሓቂ ዝነገሰሉ ሓሶትን መራሒኣን ድማ ኣብ መስቀል ተኣሲሩ እረ ክሳብ ዝነድድ ሲኦል ዝወረደሉ ጻድቃን፡ዝሕጎስሉ መዓልቲ ሓቂ ድማ ኣሎ።( ዮው8፣32 ንሓቂ ክትፈልጥዋ ኢኹም ስለዝተባህሉ ጻድቃን ንሓቂ ፈለጥዎ፡ንሱ ክርስቶስ ኢዮሱስ ኢዩ።) መዓልቲ ፍቑራት ብዝብል ጥበራ ውሽጠውሽጡ ግን ምንዝርናን ምጽልላእን ዝመለኦ ዓመታዊ ብሓጥኣን ዝኽበር በዓል ኣሎ፡ብቅዱሳ ድሜጥሮስ ዝመራሒኦም ነቲ ናይ ባህሪ ፍቕሪ ዝውንን ንባዕሉ ፍቕሪ ዝኾነ እግዚኣብሄር፡ምእንቲ ፍቕሪ ሰባት ኢሉ ኣብ መስቀል ዝኸፈሎ ዋጋ፡መንፈሳውያን ዘኽብርዋ ዓመታዊ በዓል ከኣ ኣሎ።እቲ ምንዝርና ዝወልድ ናይ ኣምስሉ ፍቕራዊ በዓል ኢዪ፡እዚ ግን ሓንቲ ምስ ሓደ፡ሓደ ምስ ሓንቲ ኣወሃሂዱ ሓደ ዝገብር ቅዱስ ፍቕሪ ዝወልድ ዕለት ኢዪ፡እቲ ናይ መርገምን ናይ ጣዖትን ዕለት ኢዩ፡እዚ ቅዱስ ድሜጥሮስ ዝሰርዖ ቅዱስ ዳዊት ዝተነበዮ ዕለት ግን ናይ በረኸት፡ናይ ቅድስና ናይ ቃል፡ኪዳን ዕለት ኮይኑ ናይ ባህሪ ኣምላኽ እግዚኣብሄር ንሰባት ክሳብ ክንድዚ ኣፍቂርዎም ተባሂሉ ዝንገረሉ ዕለት ኢዩ። በዚ ዕለትዚ ፍጥረታት ሕፍረት ኣምላኽ ከይረአ ንማለት ብርሃኖም ከልከሉ፡ጸልማት ድማ ኮነ፡ሓጥኣን ግን ሕፍረቱ ንኽቅላዕ ጥራሕ ዕርቃኑ ኣትረፍዎ፡በዚ ዕለዚ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣኻውሕ ኣምላኾም፡ኣዚዝዎም ተጨድዱ፡ምድሪ ነቲ ኣብ ልዕሊኣ ተኺሎም፡ሰቒለሞ ዝነበሩ ኣምላኻ እሺ ኢላ ንፈጣሪኣ ተኣዚዛ ኣንቀጥቐጠት፡ ጥልቀት ሲኦል ድማ ተበርበረ፡ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ዝፈጠራ ኣምላኽ ሕጂ ግን ናይ ሰብ ነፍሲ ተዋሃሂዱ ብናይ ሰብን ኣምላኽን ናይ ተዋህዶ ድምጺ ሰላም ንዓኹም ይኹን ብዝብል ብስራት ነቶም ናይ ሲኦል ተቐማጦ ጥዑም ቃና ኣበሰሮም።

ኣቤት ነዚ መን ተንቲኑ ክውድኦ ይኽእል።ብፍጹም ሓደ ፍጥረት ኮይኑ ዋላ ካብ ወገን መላእኽቲ እካ እንተኾነ ነዚ ምስጢርዚ መርሚሩ ክበጽሖ ዝኽእልሲ መን ኣሎ፧ኣነስ ይኣኽለኒ እታ ዓቕመይ፡ናይ ዛ ብርክቲ ዕለት ኦ ጎይታ እግዚኣብሄር ብምግባረይ ዘይኮነይ ብብዝሒ ምሕረትካ ምእንቲዛ ዕለት ክትብል ባርከኒ።ንኹሉና ደቕኻ እሜን።
ይትባረክ እግዚኣብሄር ኣምላክነ ኪያነ ዘፈጠረ ከመናምልኮ።

søndag 2. april 2017

ዘይደሓን ትንዕ ትንዕ።

ትንዕ ትንዕ
ናብ ክልተ ኣፍ ደገ እትው ውጽእ
ኣብቲ ሓጥያታዊ ማርሻፔዲ
ሸናዕ እንክብላ ጢዕምወን'ዩ ግዲ
የግዲ
ኣበይ ክጥዕመን ዘን መሓውር
ኣብትን ኣብትን ክብላ
ኮይንወን ኣስካላ
ኣየዛ ዓለም ኣስካላ
ናብ ሲኦልን መንግስተ ሰማይን እትሳገረላ
ናብ ዳዕርን ዳንዴርን እትሓኽረላ
ኣቤትዛ ቤተ ክርስትያን ወለላ
ዳዕሮ እንክትመስል ኩሎም ዝዕቆቡላ
ቀታሊ ዝናዘዘላ
ዕዋላ ዝእረመላ
ስጋ ኣምላኽ ዝፍርተተላ
ደሙ ዝቕደሓላ
ኣንትን የእጋረይ
ናበይ ኢኽን ትንዕ ትንዕ
ናብ ዳንዴርዶ ወይስ ካላእ
ሳልስቲ'ዩ ወሬኽን ካብ ንሰምዕ
ኣንታዛ ሓጥያት ዳንዴር
ገፊሑ መንገዳ፣
ነዘን የእጋረይ ኮይንወን ሰጣሖ
ሰጣሖ ጎልጎል ሰጣሖ
ብደገ ኣጉለ ብውሽጡ ፍልሖ
ይኸይዳሞ ንውሽጠን ፈርፈዖ
እቶም ዓቀይቶት ኣጋንቲ
ዘይፍለጡ ፍጹም መታለልቲ
ጨካናትምበር ዘይሓለይቲ
የእጋር ተታሊለን
እጋንንቲ ኣታሊሎመን
ፍልሖ ክንሶም
ንህቢ መሲሎመን
መርዚ ክንሱ ኣጉለ መሲልወን
ኣየናይ ኣጉለ
ኣፍዕሲምበር
ኣፍካ ዘሸትት ካብ መንግስተ ሰማይ ዘሸፍት
መርዛማት ኣፍዑት
መጺኦም ይሕንገጡኻ
እናባጨዉ
ጋሻ ተቐበል፣
እንካዕ ድሓን መጻኻ ይብሉኻ
ሓዊ ንኽትነድድ ቦታ ይኸፍቱልካ።
ኣንታ ክንደይ ይጥዕም'ዚ ውሳነ
ጠግ ኣቢልካ ትኸዶ ናብ ሓዲኡ ድነ
ኣብየንኮ ከይውስና ዘን የእጋር
ናብቲ ሕምቶ
ዘለዎ ሸቶ
ንምኻድ ይናፍቓ
ሕልነአን ይነግረን
ስለ ቅድስና ብውሽጠን ይሕለቓ፡
ናብ ሲኦል ከይወድቃ
ናብቲ ጭፈራ
ቢራ ክግልላ
ስኽር ክሓድራ
ምስቶም ተላሀይቲ ስዕስዕ ክሓድራ
ነዚ ክፍለየኦ ኣብይወን ውሳነ
ኣየ ዝሳነ
ጡዕም ነይሩ ግን መን ይዳነ፡
ኣንትን መሓውር
ኣጆኽንባ!
ናበይ ኢኽን ብክልተ ትውጥጣኒ
ወይ ናብቲ ኪዳ
ብሓዊ ንደዳ
ወይ ናብዚ ምጻ
ብምሕረቱ ተኣበዳ
ግን ሕሰባሉ
ጽባሕ ንግሆ ንስኽን ኢኽን
ኩሉ ክትሕተታሉ
ናብትን ናብዝን ክትብላ
ጽሓይ ከይትዓርብ
ዕድሜኽን ከይርብርብ
ሰግጥ ሰገጥ ኣይህብን ድሓን
ነግ ፈረግከወደይ ብኸመይ ለመድክን፡
ሃየ ሰሓባ
ናብ ሓዲኡ ንኺድ
ወይ ከነብርቓ ወይ ከነዕርባ
ሓሻካ የእጋረርይ
ኣበይ ኢለንኦ
ኪንዮ ምሕረት ኣምላኽ
ኣበይ ሪእየንኦ
ክንዮ ቁጥዑስ
መዓስ ገሚተንኦ
ዘይ ስቕ ኢልካዩ ጉዕዘአን ሃታ ሃታ
ኣብቲኣ ክኣትዋ ምስቲኣ ክማጎታ
ኣየዛ ሓጥያት ምጉት
ሓቂ ተመሲላ
ከመይ ሓንኮለተን
ሓላይት ተመሲላ ከመይ
ማረኸተን
ከይውስና ሓሊኻተን
ከይፈልጣኣ ተሰዊራተን
ይዋእ ግርህነት ናይ መሓውር ጣጣ
እንዳፈለጣ ይውጠጣ
እንዳኾርኮሐን ይኹየጣ
ኣቢት ሓጥያት ዘይድሓን መኾፈሊ
ተጻወተለንዚ መታለሊ
ሓጥያት'መታለሊ፡
ወስና የእጋረይ ወስና
ኣብቲ ይሕሸክን
ኣብትስ ነይምነየልክን
ካብቲ ጽርግያ እሾኹ ዘይርአ
ካብቲ ዓጸቦ ሃርገፍገፍ ዝተመልአ
ካብቲ ቶኾርባ ዳንዴሩ ዝሓብአ
ኣይትደልየኦን ዳንዴራዊ'ዩ ሓጥያቱ ዝጠጅአ
ጥጡሕ ውሽጡ ግን ባዶ
ሃማሚ'ዩ ንምርጋጹ ጋዶ
እወ ጋዶ ሓጥያት ጋዶ
ኣሲሕት መሲሉዶ
ኣይ ዓፍራ እንደኣሉ
ካልኣ ይርገጾ፡
ኣብ ውሽጡ ኣሎዉ
ንየእጋር ዘታለሉ
ኣብ ታሕቲ ዝተዓኽለሉ
ኣብ ትሕቲ ዓፍራ
ንጉምተይ ዘቃምቱ
ስሕተተን ርእዮም ኣብ ሲኦል ዝዕልሉ
ኣየዞም ኣጋንቲ
ሓራግጽ ክንሶም ዓሳባ መሰሉ
ኣስናኖም ሓቢኦም ኣብ ምንዝርና ተዓኽለሉ
ሰናይ ተመሲሎም
ኣብ ጛይላ ተዓኽለሉ
ጽልኢ ክንሶም ፍቕሪ ተመሰሉ
ትሕትና ተመሲሎም ኣብ ዝና ተሰቐሉ
ኣበይ ኢልዎም መሓውር ንሳቶም ግን ቀጸሉ
ቶንኮሎም ቀጸሉ
ሰብ ንኸይፈልጦም ፍጹም ተኸወሉ
ነዘን የእጋረ እናሻዕ ኣታለሉ፡
ተታሊለን
ዘይሰናይ ሃገሮም ሰናይ መሲልወን
ዘይሐራይ ደሞዞም ወርትግ ኣታለለን
እንዳፈለጣ ንኸይውስና ጥቦቦም ሓንኮለን
እሾኹ ዝርአ ጽርግያ
ጸቢብ ኣይምሰልክን ንዕነ ረኣያ
ኣሻኽ ነይኮነ ጥዑይ'ዩ መንገዱ
ሓጥያትካ ዝነቅስ
ምሕረት ዝልማዱ
ቤት ኣምላኽ ይሕሸክን ቤት ፈጣሪኽን
ንሱ ዝሓልየልክን
ሓላይኽን'ዩ እወ ሓላይኽን፣
ንስኽንደኣ ኣበይ ኢልክነኦ
ሓጥያታዊ እሾኽክን ዝነቅስ
ብዘይገመትክነኦ
መሪጽክን'ዩ ምረጸኦ
እነሀለ ቤቱ ብግፍትኑ
ልብኽን ክፈተኦ
ኪደኦ ደኣምበር ኣይትእበየኦ
ኣንትን መሓውረይ ሐራይ በለኦ
በጃኽን ሐራይ በለኦ።
እነሀለዉ
ደቂቀ ኤልያስ
ቅዱሳን ኣበው
ሰበኽቲ ወንጌል ጸሎቶም ዘርሕዉ
ብድግል ማርያም ዝተሰለሙ
ብቅዱስ ልማኖኣ ንኣምላኽ ዘረሩው
ልቡ ከፊቱ ምሕረቱ ዘዝሩው
ንዕነ ናብኡ
ኣብታ ቅድስቲ
ኣብኡ ኢዮም ዘሎዉ፣
ኣሎዉ እምበር ኣይመስልክን ጥራሑ
ቤተ ክርስርያን ኣይምሰልክን ጥራሑ
ገስግሳ ኪዳናይ ናብ ጥፍሑ
እኖሀለ ጸሎቶም እምብዛ በዚሑ
ካብቲ ሓጥያትክንሲ ምሕረቱ'ዩ ሰፊሑ።
ወስብሀት ለእግዚኣብሄር

lørdag 1. april 2017

ኣየ ሓጥያት

ናይ መጀመርያ ጥበብ ፍርሃት እግዚኣብሄር'፡
ናይ መጀመርያ ዕሽነት ድማ ምኽሓድ ንእግዚኣብሄር፡
ናይ መጀመርያ ልደት ካብ እግዚኣብሄር ብጸጋ ምውላድ ኢዩ፡
ናይ መጀመርያ ሞት ብንስሓ ዘይምምላስ፡
ናይ መጀመርያ ታተ ናብ እግዚኣብሄር ምግስጋስ ኢዩ፡
ናይ መጀመርያ ስንክልና ድማ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ምሽፋት ኢዩ፡
ናይ መጀመርያ ኣፍካ ቃንቃኻ ምጽራይ ቃል እግዚኣብሄር ንምዝራብ እንክትላማመድ ክኸውን ከሎ፡
ናይ መጀመርያ ኮርታዕነት ድማ ቃል እግዚኣብሄር እንክዝረብ ክህከየካ እንከሎ ኢዩ፡
ናይ መጀመርያ ንጽህና ምስ ኣባት ነፍስኻ እትገብራ ርክብ ኢያ፡
ናይ መጀመርያ ርኽሰት ድማ ናብ ሓንቲ ኣመንዝራ ከይድካ ዝፈጸምካዮ ርኽሰት ኣብ ብርኪ ካህን ዘይምንዛዝ ኢዩ፡
ናይ መጀመርያ መዓልቲ ሓጎስ ናይ መንግስቲ ሰማያት እትወርሳ ዕለት ክትከውን እንከላ፡
ናይ መጀመርያን መወዳእታ ዘይብላን ሓዘን ድማ መንግስቲ ገ

ሃንመ እሳት ክትወርስላ ዕለት ኢያ።

ኣየ ሓጥያት

ሕልና ዝጠጃኦ
ከናፍር ዝፈርፍዖ
መልሓስ ዘኾምስዖ
ንየእጋር ይእዝዞ
ንየእዳው ተወሳውሶ

ደሞዞም
ወይ ናይ መንግስተ ሰማይ ርስቲ
ወይ ድማ ምስ ክፉኣት ኣጋንንቲ
ንኹሎም ዝዕዘብ
መመንገድኦም ዘንብብ
እግዚኣብሄር'ዩ ናይ ኩላቶም ብሶላ
ኣብ ሕልና ተኾይጡ
ቅኑዕ ፍርዱ ዘሳላስለላ
 

 እወ እዛ ሕልና
ፈጣሪኣ እንክእዝዛ
ምስ ሰይጣን ተማሓዝያ
ኣየ ሰይጣን ዘይደሓን መሓዛ
ሓቂ ንኸይዝረብ
ንሕልና ኣዘዛ
ንሳውንኮ ትኽእል ኢያ፡
እምቢ ክትብሎ ክተምበርክኾ
ክትረግጾ ካብ ልባ ፈጺማ ክትሓኮ
ስልጣን ነይርዋ እዛ ሕልና
ኣበይ ኢላቶሞ፡

እቲ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለላ
ብቅዱስ መስዋእቱ ዘምበርከኸላ
ኣምበርኪኹ ሂብዋስ
ንሳ ግን ተምበርኪኻትሉ
ኣሲሩ ሂብዋስ
ባዕላ ተኣሲራትሉ
ምሕረት ኣዚዝላ
ንሳ ግን ኣባጭያትሉ

ኣየ እግዚኣብሄር
ሕልና እንክትኣቢ
ንሱ ዘይድርቢ
ሕልና እንክትሕንግድ
ንሱ ዘይገድድ
ሕልና ሰይጣናውነት መሪጻ
ንሱ ግን እናሻዕ ይመጻ
ፍትውተይ ተመለሲ
እንዳበላ ኣብ ኣፍ ደጌኣ ይኹክሓ።

ጸግ ኣበለቶ
ንሱ ግን ወርትግ ጸውዓ
ኣበይ እሞ ኢላቶ
ናይ ሲኦል ምረት
ኣበይ ጢዒማቶ
ሓጥያት ዓለም
ኮይንዋ ሕምቶ
ምንዝርና ርኽሰት
ኮይንምዋ ሾቶ
ኣቤት ሸቶ

ኣበይ ኢላቶ
እምበር ንሱስ ጽእ ዝጨኑ
ካላኣ ይሸትቶ
ነዚ ፈሊጡ ፈጣሪኣ
እናሻዕ ይጽውዓ
ካብቲ ሕማቕ ሽታ
ሓጺቡ ክኹልዓ
ካብቲ ሕማቕ ኩሕሊ
ብንስሓ ክቐብኣ
ንዒ ይብላ እግዚኣብሄር
መመሊሱ ይጽውዓ።

ተመለሲ ሕልና ተመለሲ
ምለስዮም ንኹሎም ተኣዘዝትኺ
ነተን የእጋር ኣዝዝየን
ነተን የእዳው ኣድብየን
ነተን የዒንቲ ጽቡቕ ኣርእይየን
ነተን የእዛን ሰናይ ኣስምዕየን
ምርሕየን እወ ምርሕየን
ናብቲ ዝጽውዓኪ ዘሎ ንዕናይ ሒዝክየን
ማዕጾኾ ክፈቲ ተቐበሊ ድምጹ
ቅዱሳን ይዓልሉ
ኣጋንቲ ይናወጹ

ንሱ ይሕሸኪ
መሪጹልኪ ኢዩ ስፍራ
ትሮፍ ድሕሪ ደጊም
ይኣክል ዕንደራ
ዕጣነ ቅዳሴ ይሕሸኪ
እንታይ ኢልክዮ ሽጋራ
ቁርባኑ ቁረቢ
ኣይሕሸክን ቢራ
ጫት ባንጎ
ዋላውን ጋይላ
ኣጽዋርኪ ኣይኹኑ
እግዚኣብሄር ይሕሸኪ
ተወለፊ ብኪዳኑ

የድሕነና ብሓጥያት ካብ ምውላፍ
ይሓልወና ናብ ሲኦል ካብ ምግሓፍ
የድሕነና ምስ ኣጋንንቲ ካብ ምስላፍ
ውዱቓት ኣጋንንቲ ሒዞምና ከይወድቁ
ቅዱሳን መላእክት ስሌና ይንቅሑ
ድንግል ማርያም
ናይ ያሬድ ዜማ
ሓፍቲ ቅዱሳን ንሳ ኣዴና
ብጸሎታ ትሃሉ ምሳና
ኣሜን ድንግል ትቑም ስሌና
ወስብሀት ለእግዚኣብሄር

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...