tirsdag 2. juni 2020

ኡፍታ የጥፍእ፡ ኡፍታ የባርዕ!

በስመ ሥላሴ!
... መጋርያ ኣጀማምርኡ ብክርቢት'ዩ፡ ንባርዕ'ውን ንጣር ቊልዒ'ዩ መበገሲኡ። መታብዕ ንኽከናወን ፍሕሚ ጥራይ ኣኻሊ ዘይምዃኑ ስለዝፍለጥ፥ ሓጓዳይ መናፍሕ ክጥቀም ግድነት ይዀኖ። 

ካብ ሰንቲ-ሜተር ናብ ኩሎሜተራት እናተወንጨፈ ጫካ ምሉእ ዘጽህድ ባርዕ፡ "ብሓንቲ ኡፍታ ክትጠፍእ ካብ እትኽእል ቊልዒ ዝተበገሰ'ዩ!" ክብሉ እንክትሰዕ የገርም ይመስል። ንሕምባበኡን ፍጥነቱን ዝምልከት ግን ግድን'ዩ ብርቱዕ ህቦቡሏ ንፋስ ዘድልዮ። ንዓሰርተ-ዕስራ መንእሰያት ከስሕን ዝኽእል መጋርያ፡ "ብሓንቲ ኖዃል ናይ ኣፍንጫ ክትቅህም ብእትኽእል ክርቢት ዝተበገሰት'ያ!" ክብሉኻ'ውን ዘየርምም ኣይኰነን። ንብራኸን ዕብየትን ናይ'ቲ ሃል-ሃልታ ሓዊ ግን ዘሽርፋን ዘሳውራን ኣእዳው ኣለዋ። ንኣዝዩ ደልዳላ ደረቕ ሓጺን ኣርሲኑ ናብ ድላዩ ከምዝለዋወል ክገብር ዝኽእል ጓህሪ፡ መበገሲ ኣለዎ። ሓንቲ ቊልዒ!! ብዘይ መናፍሕ ግን  ፍሓም ኴኑ ምተረፈ ጓህሪ። "ምሉእ ጫካ ብሓንቲ ቊልዒ፡ ሰፊሕ ቀላይ ብሓንቲ ጠብታ ይናወጹ!" ዝብል ኣበሃህላ ቅኑዕ እኳ እንተዀነ፡ ብዘይንፋስ ግን ኣይኮነን እምባ እትቕምርር ንጽል ሳዕሪ'ውን ኣይምተረኸበትን። ዓበይቲ መራኽብ ክግብጥል፡ ሰፊሕ ወደብ ከዕኑ ዝኽእል ገዚፍ ማዕበል'ውን እንተዀነ መበገሲኡ ካብ ሓንቲ ጠብታ'ዩ። ግንከ ብዘይንፋስሲ ጠብታ ኴኑ ደኣ ምተረፈ።

ነገር'ውን ከምኡ'ዩ! ካብ'ቶም ዝበኣሱ፡ እቶም ዘባእሱ፡ ካብ'ቶም ዝጣቖሱ እቶም ዘጣቚሱ፡ ካብ'ቶም ረሲኖም ብጒስጢ ዝጓሰጡ፡ እቶም ዘራስኑ ዝያዳ ይብእሱ።  ኣብ'ዛ ዓለምና ዘለዉን ዝነበሩን ሓያላትን ፖሎቲከኛታትን ነዚ ብኣጣቛስነት ዝመጽእ ሳዕቤን ከም ዓቢ ሚና ገይሮም ስለዝርእይዎ፡ ልዕሊ ፍርቂ ሓይሎም  ኴኑ'ዩ ዘገልግሎም።  ቊጽሪ መላኽዒ ብዝበረኸሉ ግዜ፡ ቊጽሪ ተላኻዕቲ ይንህር፡ ኣላኻዒ ተዘይሃልዩ ግን እቶም ዝተበኣሱ'ውን በኣግኡ ክዕረቚ'ዮም። ብኻልእ ገለጻ፡ "መጣቚሲ ተዘይህሉ፡ ዝጣቘስ ነይምሃለወ!" ዝብል ኣበሃህላ ብትኽክል ዝሰማምዖ ሓሳብ'ዩ። ንነገራት ዘሳውሩ 'ተዘይህልዉስ ለካ፡ እቲ ሸርጣጢ ወይ ንውልቁ ወይ ድማ ንሓደ ምለከመ'ምበር፡ ክሳዕ ንኣእላፍሲ ኣይመጽነተን። መምበድበዲ ግን ዋና ተዋስኣይ ናይ ነገር'ዩ። "ካብ'ቶም ዝሃርሙኻ፡ 'በሎ' እናሉ ዘውቊዑኻ'ዮም ዝያዳ ወቓዕትኻ!" ዝብል ገለጻ ምስ'ዚ ክዋሰብ ዝኽእል ትኽክለኛ ኣበሃህላ'ዩ።

.... ስለዚ ነገራት ዝሳወሩ ብኣእዳው'ቶም ኣሳወርቲ ካብ ኰኑ፡ ኣሳዋሪ ዘይምዃን ድማ ነገራት በኣግኡ ክቕህሙ ይኽእሉ'ዮም። ናዕቢ ዝያዳ ዝዓቢ ብልሳን ኣነዓዓብቲ ካብ ኰነ'ውን፡ ሰላማዊ ሰብ ምዃን  ከኣ ሰላም ከሰፍን ዝኽእል ህዱእ ንፋስ'ዩ። ማለት ኲሉ ንፋስ ንሓዊ ዘሳውር ኣይኰነን ዘጥፍእ'ውን ኣሎ፡፡ ኲሉ ዝነጥብ'ውን ማዕበል የለዓዕል ማለት ኣይኮነን። እምበርከ ጥቕሚ ዘለዎ ነጠብጣብ ከኣ ኣሎ'ምበር።  ውሽጥኻ ኣዝሒሉ ርሃጽካ ዘልግስ ህዱእ ጠቓሚ ንፋስ፡ ጎሮሮኻ ኣተርኪሱ ሰብነትካ ዝሓጽብ ነጠብጣባዊ ማይ ኣሎ። ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰባት ኣዝዮም ኣዕነውቲ ተባሂሎም ዝጥቀሱ ፍጻሜታት፡ ናይ ዝበዝሑ መበገሲኦም ካብ ሓደ-ክልተ ሰባት ኴኑ'ዩ ዝጸንሕ። ነገራት ዘጐሃህሩ ስለዝነበሩ ግን፡ ኣእላፋት ሰላማውያን መሳኪን ክቕሰፉ ምኽንያት ኴኑ ንረኽቦ።

እግዚአብሔር ንዓለምና ሰላሙ ይልኣኸላ። ተበኣስትን መበኣእስትን የርሕቐላ። ፍልልያት ሰባት፡ ንዓለም ሽልማታ'ዩሞ፡-
"ኣነ ክነብር ንስኻ ጥፋእ፡ ኣነ ክብልጽግ ንስኻ ተሓባእ!" ዝብል ስንፍና ካብ ኣእምሮ ዓለምና የርሕቐልና።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...