fredag 30. mars 2018

ኣምልኾ ዝተኸልከሉ ህጻናት፡

በሰመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዲ ኣምላክ።

እዋ! ባባስ ከምዚ ኮይኑ።እንታይ ኢዩ ዝብል ዘሎ፧ "ብዘይበኣኺ ክነበር ኣይክእልን ኢየ"! እንካዕ ማማየይ ኣይትፈልጥ፡እንካዕ ባባ ኣነ ይመዝኖ ምህላወይ ኣይፈልጥ።እዋይ ተክኖሎጂ! ኣብ መመደቀሲና ኮይንና ከም ንመዛዘን ገይርና። ኣደይን ኣቦይን ከመይ ዘይክሰማምዑ ክኢሎም ንምፍትሑ ግድላት ኮይንኒ ዝነበረስ ለካ ጠንቁ እዚ ኢዩ። ኣደይ ምሸት መጸ ኣብ ፌስቡክ መን ፎቶ ፖስት ገይሩ፡መን ኣይገበረን ክትቃመት እተሕልፎ ግዜኣ ቆጺርካ ኣይውዳእን።ኣቦይውን ካልኦት ኣዋልድ ከስድዕ ብዝብል ዝንባለ ዝተኣሰረ እንክመስል፡በቲ ኣብ ቤተክርስትያን ኣገልጋሊ ክንሱስ ኣብዚ ድማ ነፍሲ ወከፍ ምሸት ኣእንጋዲ ደቀንስትዮ ይኸውን።ፌቨን ሓፍተይ ንእሽቶ እካ እንተኾነት፡ኣተሓሳስባኣ ግን ምስ ዕድሜኣ ዝኸይድ ኣይኮነን።ወትሩ ንቤተክርስትያን ክንከይድ ትደፋፋኣኒ ሓፍተይ ኢያ፡ነገሩ ግን ንኸይስዕባ ዝዕንቅጹኒ ብዙሓት ባእታታት ኣሎዉ።ንሳውን ምላልባሽ ብዛዕባ ወለድና ዘይበጽሐቶም ነገራት ስለዘለዉምበር፡ንድሕሪት እትምለሰሉ ግዜስ ርሑቕ ኣይክኸውንን ኢዩ። ኣብ  ኣምልኾ ንኸይህልዉ ተዓንቀጽቲ ዝኾኑ ህጻናት ኣነ በይነይ ጥራይ ኣይኮንኩን፡፡ብዙሓት ከምዝኸማይ ህጻናት ኣብ እምነት ዘለዎም ርእየት ኣሉታዊ ጽልዋ  ብምሕዳር፡ንድሕሪት ከምዝምለሱን፡ምስ ናይ ምዕራባውያን ስነሓሳብ ክርዕሙን ኮይኖም ኢዮም።

" የፍቅረኪ ኢየ! ወይ ጉድ።ኣደይከ ከምኡዶ ትገብር ትህሉ ምስ ካልእ! እንታይ ስንክሳሩ ኢዩ ደቀይ።" ምስ ባባ ዝተፈላለየ ፎቶ ናይ ደቀንስትዮ ፕሮፋይል ብምግባር፡ምስብዙሓት ደቀንስትዮ ናይ ምዝማው ዘለዎ ህርፋን ንምፍላጥ ኮነይ ኢለ ብዝገበርክዎ መጽናዕቲ፡ናይ ሎሚ ምሸት ግን ሕልፍ ዝበለ ኢዩ።"ሕጊ እግዚኣብሔር ከነኽብር ኣሎና፡ዓርኪ ክትሕዚ የብልክን፣ቅድሚ መርዓ ዝግበር ዓርከይ ኣፍቃሪተይ ዝብሉ ቃላት ናይ ክርስትያን ሕጊ ኣይኮነን፡መጽሓፍ ቅዱስ ኣይትዘሙ! ኢሉ ብፍሩይ ቃሉ ይእዝዘና ኢዩ።" ኢሉ ወትሩ ይምዕደኒ ክንሱ ባባ፡ኣነ ናይ ዝተፈላለየ ኣስማትን ስእሊ ፕሮፋይልን ብጥቃም ምሳኡ፡chat ንገብርሞ፡ካብ ሓድሽ ሌላ ክሳብ ናብ "የፍቅረኪ ኢየ፡ክምርዓወኪ ኢየ፡ሓዳር የብለይን፡በይነይ ኢየ ዝነብር"ናብ ምባል የብጽሖ።ኣበይ ደኣሎ እቲ ኣምልኾ እግዚኣብሔር፡ሎሚ ንግሆ ሰንበት ተንሲአ፡ከምዝተጸለኣኒ ንባባ ነጊረዮ።ብኻልእ መንጽር ግን፡ትማሊ ምሸት በታ ሓዳሽ ናይ ጻዕዳ ( Norska) ስም ተጠቒመ ዝተላለኽዎ ምኽንያት ብምግባር ከነዕልል ስለዝቐነና፡ንሎሚ ንግሆ ክንራኸብ ተቓጺርና ነይርና።ባባ ቤተክርስትያን ክኸይድ ከምዘለኒ እካ ምዒድኒ እንተነበረ፡ምሉእ ኣድህቡኡ ግን ናብ ቆጸርኡ ኢዩ ነይሩ።ቦታን ሰዓትን ፈልየ፡ኣዝየ ከምዘፍቀርክዎ፡ንሓዳር ከምዝምነዮ ኮይነ ኢየ በታ ናይ ኖርወጅያዊት ስምን ፎቶን ተጠቒመ ዝተላለኽዎ ናብ ሓደ ቦታ ቆጺረዮ።ኣነ ዝገረመኒ ንዓይ ኣብ ኣምልኾ እግዚኣብሔር ፍጽምቲ ክኾነሉ እንዳደለየንስ፡ከመይ ኢሉ ንሱ ብትግባረ ፍጹም ዝረሓቐ ይኸውን፧ እዚ ንባባ ዝገብሮ ዘለኹ ምትላል ተዝፈልጥሲ እንታይ ኮን ምገበረ።መቸም ብሕጊ ኖርወይ ከምኡ ምግባር ግቡእ ከምዘይኮነ ይፈልጥ ኢየ።ግን ኣብ ሕልናይ ኣትዩ ንሕጊ እግዚኣብሔር ከይክተል ዝቃለሰኒ ዘሎ ሓይሊ ክፈልጥ  ግድነት ኮይኑ ተሰሚዕኒ።ምስ ባባ ብዛዕባዚ ኮፍ ኢልና ንላዘበሉ ባይታ ዝፍጠር ኮይኑ ኣይስምዓንን፡ምላልባሽ ተተፋኒና ክሳብ ትባተኽ እንበጽሓሉ ግዜ ተዘይኣጋጢሙ። ኖ፡ኖ ብፍጹም።ክነግሮ፧ ብጭራሽ ኣይከኣልን ኢዩ!!

ተሃንዲዱ ካብ ገዛ ባድላ ክዳውንቲ ቀያይሩ ብምውጻእ፡ኣብቲ ናይ ቆጸራ ቦታ በጺሑ ደዊሉለይ፡ኣይተቐበልክዎን፡ድምጸይ ቀይረ ሪከርድ ብምግባር ኢየ ወትሩ ድምጸይ ዘስምዖ ነይረ።ከም ኣመለይ ሪከርድ ገይረ ብምስዳድ፡ከምዘይጥዓመኒ፡ነጊረዮ ክኣምን ኣይከኣለን።ተቐላጢፈ፡"ከምተፍቅረኒስከ ሪከርድ መሊእካ ስደደለይ በልክዎ።" "ብዘይብኣኺ ክነብር ኣይክእልን ኢየ" ኢሉኒ።ወይ ጉድ፡እታ ኣብ ቤተክርስትያን ኮይና፡
 "ብዘይ ብኣኻ መን ኣሎኒ፡
ጎይታይ ፍቕርኻ መቂሩኒ፡
ሕግኻ ንዓይ ይመርሓኒ
ፍጹም ዘይልወጥ ጎይታ ኣሎኒ"
ኢላ  ካብ ህጻንነተይ ኣትሒዛ ዝማሬ ዝመሃረኒ ልሳኑ፡ሕጂ ግን ብሓንቲ ኖርወጅያዊት ተማሪኻ፡ብዘይበኣኺ ክነብር ኣይክእልን ኢየ ክትብል ይሰምዓ ኣሎኹ። ዘሰምብድ ፍጻመ ኢዩ።
ኩላቶም ማሓዙተይሲ ከምዚ ከማይዶ የጋጥሞምዶ ይኸውን! ብርግጽ ከኣምበር።ወለዶም ደረፍቲ፡ከመይ ኢሎም ንደቆም ዘመርቲ ክኾኑ ይምነይሎም፡ወለዶም ሳዕሳዕቲ ከመይ ኢሎም ንውሉዶም ኣብ ቤተክርስትያን ወረብትን ሸብሸብትን ክኾኑሎም ይሓስቡ፡ወለዶም ምስቡዙሓት እንዳዞሩ ብፍትወተ ስጋ ተኣሲሮም ክንሶም ከመይ ኢሎም ንደቆም ኣብ ዝሙት ከይወደቑ ክሳብ መርዓኦም ብድንግልና ተዓቂቦም ክነበርሎም ይደልዩ፡እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕልና ናይ ማሓዙተይ ህጻናት ሰፊሩ ዝርከብ ኣጀንዳ ኢዩ።እዚ ኣጀንዳዚ ንእግዚኣብሔር ብፍጽምና ንኸይንስዕቦ ዕንድፍቲ ኮይኑ ከልኪልና ኣሎ።

ማማ ንሎሚ ንግሆ ቤተክርስትያን ክንከይድ ደልያኒ እካ እንተነበረት፡"ተጸሊእኒ ኣሎ" ኢለ ስለዘማኻነኹ ግን ገዲፋትኒ ኢያ ከይዳ።ኣብ ቤተክርስትያን እቲ ወትሩ ዝምህረና ድያቆን፡" ኣብ ዘመነ ስጋውነት ናይ ክርስቶስ፡ህጻናት ሆሳእና ንወዲ ዳዊት" ኢሎም ክዝምሩ ምስ ጀመሩ፡እቶም ወለዶም ግን ካብ ምዝማርን ኣምልኾን ክኽልከሉ ጦቂሞሞም ነይሮም።ክርስቶስ ግን " ነዞም ህጻናት እካ ስቕ እንተበልኩሞም፡ኣእማን ቢታንያ ክዝምሩ ኢዮም ኢልዎም" ብምባል ይምህረና ነይሩ።እዞም ብወለዶም ካብ ኣምልኾ ዝተኸልከሉ ህጻናት፡ካባና እንታይ ዘፍሊ ኣሎዎም፧ ፍልልያቱ ወለዶም ብልሳኖም ኢዮም ከልኪሎሞም፡ወለድና ድማ ብተግባራቶም።እቶም ንሆሳእና ዝኸልከሉ ወለዲ፡ልብሶም፡ኣካይደኦም፡ኣተሓሳስበኦም ኣምለኽቲ ይመስሉ፡ልሳኖም ግን ንናይ ህጻናት ኣምልኾ ይቃወም ነይሩ።እዞም ናይ ሎሚ ወለድና ድማ፡ልሳኖም ኣምልኹ ዝብል ክንሱ፡ልብሶም፡ኣተሓሳስበኦም፡ኣብ እምነት ዘለዎም ናይ ምግባር ትሩፋት ግን፡ንሕና ህጻናት ሓይሊ ረኺብና ንኸይነምልኽ መንደቕ ኮይኑ ከልኪልና'ሎ።ወለድና  ቆረብቲ ዘይክንሶም፡ንዓና ቁሩቡ ክብሉና ፡ከመይ ኣብ ግዜ ማኣዲ እግዚኣብሔር ዘይንውጭጭ።ወለድና ዓርኪ ከይትሕዙ እንዳበሉ፡ንሳቶም ግን ክምርዓዉን፡ክተኣታተዉን እንከለዉ'ውን ከይተረፈ፡ቅድሚ ዝኣገረ ናብ ድላዮም ክዕንድሩ ዝነበሩ፡ ብፍትወት ዝነደዱ እንዳነበሩ፡ንዓና ክሳብ ትምርዓዉ ደናግል ኩኑ ክብሉና፡ ልሳኖምን ትግባሬኦምን ተሓዋዊሱ ስለዝመጻና እቲ ትምህርቲ ኣብ ልብና ከይሰረጸ ይተርፍ።ብድንግልና ናይ ምምባር ዘሎ ሓይልና ከኣ ይልሕልሕ።" ወለደይ ክሳብ ዝምርዓዉ ደናግል ዘይነበሩስ፡ከመይ ኢለ ኣነ ከምኡ ክኸውን"፧ ብዝብል ስንፍና ንኽንውረር ፡ብትግባረኦም ኣንጻር ኣምልኾ ክንዓጥቕ ኣሕሊፎም ይህቡና።

ኤውሮጳውያንን ካልኦት ጸዓዱን፡ንህጻናት ኤውሮጳ ኣምልኾ ናይ ወለድና ንኸይንሕዝ ቀንዲ ጠንቂ ኮይኖም፡ ኣምላኽና ራሕሪሕና ፍኖት ምዕራባውያን ክንክተል፡ከቢድ ተጽዕኖ ይገብሩልና እካ እንተሃለዉ፡ናይዚ ተጽዕኖዚ ቀንዲ ተጸለውቲ ግን ወለድና ብምኻኖም ኢዩ።ኣበይሞ፡ወለደይ ብንስሓ ዝተሓጸቡ፡ወትሩ ሰንበት ሰንበት ቆሪቦም ዝመጹ፡ብፍጹም ኣምልኾ ዝኽተሉ ኣይምኾኑን።ኣብ ውሽጠይ ዘለዉ ናይ ነግ ፈረድ ስምዒታት ንኽርሕቁለይ ግዜ ኣይምወሰደሎምን።ሎሚ ብዛዕባ ቅድስና ብዙሕ ስለዝተማሃርኩ፡ዳርጋ ዝኣክል ኣፍልጦ ሒዘ ኢየ፡ንኹላቶም ሃይማኖታውያን ኣፍልጦታተይ ኣብ ትግባረ ንኸየውዕሎም ዝሓንኮለኒ ግን ወለደይ ተግበርቲ ሃይማኖቶም ብዘይምኻኖም ኢዩ።ምስ ወላዲየይ ተሓቢኤ ክሳብ ክንድዚ ኣብ ምትህልላኽ ክኣቱ ዝደረኸኒ፡ኣብ ገዛና ምስ ማማ ወትሩ ምጭቕጫቕን ዘይምርድዳእን ስለዝኽሰት ኢዩ።ማማ ከተቕንኦ ኢላ ትጽዕት፡ባባ ድማ ከምበርክኻ ከይቀሰነ ይነብር።ለካ ናይ ባባ ልምድታት ኣነ ዝፈልጠሉ ጥራይ ክሳብ ክንድዚ ካብ ኮነ፡ካልኦት ኣንጻር ኣምልኾ እግዚኣብሔር ዝኾኑ ብዙሓት ልምድታት ከይሃለዉዎ ውን ኣይተርፍን ኢዩ።ማማውን ከምኡ።ከመይ ኢልና ደኣ ንሕና ከነምልኽ ይጽበዩና፧ ከመይ ኢልና ንሃይማኖትና ከነጽንዕን ክንትግብርን ይሓስቡና፧ ቅጫስ ብኽልቲኡ ከይበሰለት፡ከይተገምጠለት ከመይ ክትብላዕ ይከኣል፧ ልሳኖምን ትግባሬኦምን ወለድና ብቃል እግዚኣብሔር ከይበሰለ፡ከመይ ኢሎም ንዓና ብመንፈስ ከብስሉና ይጽዕቱ።ወለዶም ንወለድና ማለት ኣቦሓጎታትና፡ መቸም ፍጹም ፍርሓት እግዚኣብሔር ከምዝነበሮም ቀቁሩብ ጽንጽንታ ኣሎኒ።ሕጂ ግን እንድዒ።ብዝኾነ  ፍኖተ ክርስትና ሓንቲ ክትከውን ከምዝግበኣ ይፈልጥ ኢየ፡፡እዚ ክሳብ ክንድዚ ዝምብዝሑ ምንፍቕናታትን ምፍልላያትን ዝኾነሉ ጠንቂ እምበር ለካ ካብዚ ኢዩ ዝጅምር።ሓንቲ ስድራ ሓቀኛ ተኸታሊት እግዚኣብሔር ተዘይኮይና ከመይ ኢሎም እቶም ህጻናት እምነት ወለዶም ኣብ ፍጻምንታ ከብጽሑ ይከኣል፧ ባባ ክመጽእ ኢዩ፡ማማውን ክትመጽእ ኢያ።ክልቲኣቶም ኣብ በበይኑ ዕላማ ውዒሎም ኢዮም ክመጹ።ዝገርመኒ ግን ፈቨን ሓፍተይ ቆሪባ ኢያ ክትመጽእ።

ወስብሀት ለእግዚኣብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...