søndag 3. juni 2018

ሓደሽቲ ጓሶት


በስመ ሥላሴ

 

 

ኣብዚ ምዕቡል ማሕበረሰባዊ ናይ ቴክኖሎጂ ዘመን፡ብዙሕ ሰብ ንሓድሕዱ ክጻረፍ ትዕዘብ ኢኻ።እቲ ዝስንዘር ዘሎ ጸርፊ በብዓይነቱን ንንዓይነቱ ዝውክልን እኳ ይኹን እምበር፡ንልቢ ተጸራፍን፡ንኣንባቢ ናይቲ ጸርፍን ኣበሳጭዩ ዘንድድ ምዃኑ ብመጽናዕቲ ተበጺሑ ኣሎ።እዚ ዝውርወር ጸርፊ፡ነቲ ተጸራፊ ዕላማ ዝገበረ ኣይመስልን፡"ይጸርፍ ኣሎኹሞ፡ንጸርፈይ ረኣይዎ፡ክሳብ ክንደይ ኢየ ኣብ ምምሃዝ ጸርፊ በሊሕ ተመልከቱኒ፡ነቲ ተጸራፊኸ ልክዕልክዑ ረኺበዮዶ ወይስ ይውሕዶ፡ሕርሕራይ ገይረ እንተረኺበዮ ኣጣቕዑለይ፡እንተኣውሒደሉ ኸኣ መልኡሉ።"  ዝብል ውሽጣዊ ርእየት ኣሎዎ።


ሓንቲ ሰበይቲ'ያ፡ ኣብ ህይወታ ከይተጻረፈት እንተውዒላ ቀጨውጨው ይብላ ስለዝነበረ፡ ሓደ እዋን ዕለቱ ምሉእ ንጸርፋ ዝእንገድ ሰብ ከይረኸበት ስለዝወዓለት፡ነታ ጓላ " ነጸላይ ሃብኒ ዛጓለይ፡ናብቲ ስግርና ክኸይድ ኢየ፡ኣብኡ ገለ ጸርፈይ ዘዝንበሉ ሰብ ተረኸብኩ።" በለታ።ሃንደበት ሓላፊ መንገዲ ነዚ ክትብል ስለዝሰሞዓ ግን፡"ኣንቲ ሰበይቲ ክትጸርፊ ክትብልስ ስግር ማዕዶ ክትሰግሪ።" ኢሉ ንሓሳባ ክቃወሞ ስለዝበለ፡"ወይ ኣነ! በሊ ተደፊረ፡ግደፍዮ ግደፍዮዛ ጓለይ፡እቲ ዝደልዮ ረኺበ ኣሎኹ።" ኢላ ጸርፋ ቀጸለት ዝብል ብሂል ኣሎ።


ዝጻረፍ ሰብ" ስለምንታይ ትጸርፍ" ኢልኩም እንተሓቲትክሞም፡ንባዕሉ ጸርፊ ነውሪ ምዃኑ ኢዩ ዝእመን።ግን ክንዮ ማዕዶ ሰጊርካ ምጽራፍ ኣይጸልእን።ኣብ ኣሜሪካ ኮይንካ፡ንኣብ ኤርትራ ዘሎ ሰብ፡ኣብ ኢትዮጵያ ኮይንካ ንኣብ ኤውሮጳ ዘሉ ሰብ፡ኣብ ኣውስትራልያ ኮይንካ ንኣብ ካናዳ ዘሎ ሰብ...። ድማ ጸርፍኻ ኩሉ ክርእዮ ኣሎዎ።ዓይነት ኣጸራርፍን፡መጸራረፊ ቦታን'ውን ተመራጺ ኢዩ። ቅድሚ ዓይነታት ጸርፊ ምሕራይካ፡ ንመጽረፊ ዝኾውን ቦታ ከተመቻችእ ግድነት ኢዩ። ናይ ጸርፊ ሽንግርዋ ዝተጀመረ ይመስል። ንኣብነት Facebook፡ ዓቢ ጫካ ናይ ጸርፊ ኢዩ።ኣብዚ ድላይካ ዓይነት ጸርፊ ንድላይካ ዓይነት ሰብ ጸሪፍካ፡ መን ኢኻ ዝብለካ ኣካል የለን፡ንጸርፍታትካ ሳንሱር ዝገብር ግላዊ ይኹን መንግስታዊ ማሕበር የለን።(Youtube). ናይ ጸርፊ መኻርም (ደንበ።) ኣብዚውን ክልተ ጥቕሚ ኣሎካ፡ሓደ ምስልኻ ስለዝረአ፡ብዙሓት ኣንጨብጨብቲ ናይ ምጥራይ ዕድላት ኣሎዉኻ።ካልኣይ ድማ፡እቲ ተጸራፊ ዝያዳ ምስሊ ጸራፊኡ ረርእዩ ዝቑዝመሉ ባይታ ስለዝፈጠርካ ንልቡ ኣጸቢቕካ ዝጎዳእካዮ ኮይኑ ይስምዓካ። ኣዝዩ ተገርምን የጒህን'ዩ።

ዓይነታት ጸርፊኸ፧ ብዙሓት ኢዮም።


1. ከይሞተ ሞይቱ ኢልካ ብምእዋጅ።ጸራፊ ምስቲ ተጸራፊ ብውሽጢ መስመር፡ ሰፊሕ ክርክር የካይዱሞ፡ተማጊቱ ከሰንፍ ስለዘይከኣለ፡መፍትሒኡ ሞይቱ ኢልካ ንዓለም ምእዋጅ ከም ዓቢ ዓወት ይቖጽሮ።ረኣይቲ መርድእ ድማ እነገሊኦም ይስንብዱ፡እነገሊኦም ድማ ይሕጎሱ።ናይ ጸራፊ ዕላማ ግን፡ከመይ ኢሉ እቲ ተጸራፊ ብውሽጡ ይሰዓር ኢዩ።


2. ብዕልግናዊ ጸርፊ።እዚ ማዕቢለ ኣሎኹ፡ዘስምዕ ዓይነት ጸርፊዩ።እቲ ጸራፊ ምስቲ ተጸራፊ ኣብ ናይ ግሎም ጉዳይ፡ምርድዳእ ይስእኑሞ፡"ተዓዘቡኒ፡ንእገለ በዚ ዘመናዊ ጸርፊዚ ይበልጾ ኢየ።" ዘስምዕ ምራቕ ናይ ጸርፊ ይተፍእ።እቶም ኣንበብቲ ናይቲ ጸርፊ እነገሊኣቶም ይጉህዩ፡ክንድዚ ዝኣክል ብዕልግና ኣብ ልሳንዚ ወለዶ ሰንኪ ምስራጹ።ዓለም ብጥበብን ብልሕን ክትመልእ እንዳተጸበዩ፡ኣብ ልሳን ናይዚ ወለዶ ጸረፍያውያን ይፈርዩ ስለዘሎዉ የልቅሱ።እነገሊኣቶም ድማ፡ሓጎሶም ክገልጹ ክብሉ፡ነቲ ናይ ብዕልግና ጸርፊ ይውስኽሉ።እዚ ምውሳኽ ጸርፊዚ፡ብውሽታዊ፡ብcomment ዝብሃል መሳርያ፡ወይ ድማ ብኸምኡ ካልእ ዓይነት post ተተኪኡ፡" እነሆ ናተይ ጸርፊ ዝበለጸ።" ዘስምዕ እንክመስል ይስንዘር። ጸራፍያን ሰብ ሞያ ሓደሽቲ ጸርፍታት፡ መሃዝያንን መሃንድሳትን ድማ ሓደሽቲ ናይ መጻረፊ ኣዳራሽ ከዳልዉ ኣብ መንገዲ ክመሓላለፉ ንርኢ ኣሎና።


3. ጸሌዮአዮ ኣሎኹሞ ኣጻልኡኒ።እዚ ዓይነት ጸርፊዚ፡ብብዙሕ ዓይነት ሸነኻት ኢዩ ዝካየድ።ብኣሽሙር፡ብቐጥታ፡  ተዘዋዋሪ፡ ብከንቱ-ውዳሴ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።ጸራፊ ሓለፍኩ ክብል ብዙሕ ዓይነታት ሜላ ይጥቀም።ተጸራፊ፡ንኡሽቶ ጥበብ ዝጎደለቶ እንተኾይኑ፡" ንዓሻ ኣምተሉ ክንደይ ከይግምቶ" ስለዝኾኖ ንመን ተባሂሉ ከየስተውዓለ ይሓልፎ።ጥበበኛ እንተኾይኑ ግን፡ነቲ ጸራፊ ከምዝሰዓሮ ንነብሱ የእምና።


ብዛዕባ ጸራፊ ሰብ ክፍለጥ ዘለዎ ሓፈሻዊ ሓዊ፡ ስለዝተዓወተ ኣይኮነን ዝጸርፍ።ዕውት ሰብ ብልሕታት ዓወቱ ንዓለም ከስተምህር፡መርትዖታቱ የቕርብ እምበር፡ ናብ ጸርፊ ኣይጎዪን ኢዩ።ኣብ ዘምንና ሰብ ንጸርፊ ቅልጡፍ፡ንልዝብ ዝሕቱል ዝኾነሉ ስለምንታይ ኢዩ ኢልካ እንተሓሲብካ።ኣንባቢ ሰብ እንዳወሓደ ይመጽእ ስለዘሎ ኢዩ።ሰብ ብድንቁርና እንተተዋሒጡ ክምጉት ኣይክእልን ኢዩ።ጥበበኛ ሰብ ጥበቡ ከርኢ ክብል ዘይተፈተሹ ናይ ጥበብ መጽሓፍቲ፡ዘይተሓተቱ ናይ ኣእምሮ መምሃራን፡ዘይተበርበረ ናይ መዝገብ ዩኒቨርስቲ ክፍትሽ ኢዩ ዝውዕል እምበር፡ሆ!  ኢሉ ንጸርፊ ልሳኑ ኣይውርውርን ኢዩ።ኣብ ሕብረተ-ሰብና፡" ፍረ ዘለዎ ገረብን፡ፍረ ዘለዎ ሰብን ንታሕቲ ይደኑ፡" ዝብል ኣበሃህላ ኣሎ።ፍርያም ኣእምሮ፡ ፍረ ዘለዎ ልዝብ የመንጩ፡፡ፍረ ዝተሓረሞ ኣእምሮ ድማ፡ንኣእምሮ ዘቑስል ቃላት ይጭንጒዕ።ብዙሓት ተጻረፍቲ፡ዕዉታትን ምዕቡላትን ኮይኑ ስለዝተሰመዖም ኢዮም ምጽራፍ ዝመርጹ።ናይ ዓወት ምልክት ግን ሞጒትካ ክትረትዕ ምኽኣል እምበር፡ ጸርፍታት ብምስንዛር ኣይኮነን።ንኹላቶም ሓሳባትካ ተቐባልነት ዘይክህልዎም ይኽእል ኢዩ።እቲ ሽግር ካብ ክልቲኡ ሓዲኡ'ዩ። ወይ ናትካ ወይ ናይቲ ብጻይካ ግንዛበ ስለዝጎደለ ምኻኑ ፍሉጥ ኢዩ።ስለዚ " ነዛ ህላውነት ግንዛቤ ብኸመይ ይመላእ'ሞ፡ስምምዕ ይኽሰት፧" ዝብል ጥበብ ከተፍልቕ እንተዘይክኢልካ፡ገና ኣብ ድንቁርና ከምዘለኻ እመን።


ኣብ ተመኩሮይ ወትሩ ዘሰላስሎ ነገር ኣሎ፡፡ እዚ ጓሳ ናይ ጥሪት እንከለኹ'ዩ፡፡ እታ ዝጓስያ ዝነበርኩ ጤል ዓስ ኢለያ እንተኣብያትኒ፡ ናብ ምትህርራም'ተ ዝጓየ ነይረ። እዚ ከኣ ንሳ፡ ኣእምሮኣ ተጠቒማ ስለምንታይ ከምዝኣበየት መርትዖ ሒዛ ከተቕርብ ዓቕሚ ከምዘየብላ ስለዝፈልጥ'የ፡፡ ስለዚ ክሃርማ ወይ እምኒ ክድርብየላ ኢዩ ዘለኒ።ምኽንያቱ " ስለምንታይ ኢኺ ኣቢኺ" ኢልካ ምስ ጤል ምጉት ክትገብር ማለት ስለዘይከኣል።እምበኣር ሓደ ጓሳ ጥሪት፡ ንእንስስኡ ብበትሪ፡  ሎሚ "ኣነ  ጓሳ ኣእምሮ፡ ምሁር ሰብ ኢየ!" በሃሊ ድማ፡ ብጸርፊ ክመሳሰሉ ይረኣዩ ኣሎዉ።እቲ ጓሳ ጥሪት ምስታ ጤል ናይ መረዳድኢ ኣእምሮ ኣብ መንጎኦም ስለዘየለ፡ ሓንትን ክያንትን ብበትሪ ወይ ብእምኒ ጔርካ ምስ ጤሉ ምርድዳእ እንኮ ከም ኣመራጺ ይወስዶ። ካብ ናይ ሎሚ ምሁረ-ኣእሮ ዝምንጩ ልሳን ድማ፡ ብዙሕ ናይ ምርድዳእ ኣመራጺታት እናሃለወ፡ ነቲ ከምኡ ኣእምሮ ለበስ ሰብ፡ ሰብ ምዃኑ እንዳተፈለጠ ከም ጤል ተሓሲቡ ብጸርፊ ዓስ ክበሃሃሉ ንርኢ ኣሎና። ዝሓስብን፡ዝልወጥን ሰብ ክንሱ ክመሃር ክፈልጥ፡ ክዓቢ፡ካብ ብልሒ ናብ ብልሒ ክምጠጥ ዝኽእል፡ ኣእምሮ ዝወነነ ናይ ሰብ ተፈጥሮ ምዃኑ ዝተፈልጠ ክንሱ፡ ብጸርፊ ክሰሃሃሉ ንርኢ ኣሎና። ናይ ሎሚ ጓሳ ምስ ሰብ ይላዘብ ምህላዉ ዘንጊዑ፡ ከም ምስ እንሲሳ ብናይ ጸርፊ በትሪ ክተሓናነቕ ክትርኢ ዓገብ ዘብል'ዩ።


እቲ ብእምኒ ጔሩ "ዓስ!" ዝብል ዘሎ ጓሳ ምላልባሽ እኮ ተጋግዩ፡ እታ ጤል ግን ቅንዕቲ ክትነብር ትኽእል ኢያ።መረዳድኢ፡ ኣእምሮን ቋንቋን ኣብ መንጎኦም ስለዘየብሎም ግን፡ ጓሳ ንጤሉ ተኣብያ ክሃርማ ጥራይ ኢዩ ዘለዎ። እምበርከ፥ እታ ጤል "ከምዚ ስለዝኾነኮ ኢዩ'ኮ" ኢሎም ንሓድሕዶም ከረዳድእሉ ዝኽእል ባይታ የለን። ምስ ጤል ብጭራሽ ርድድእ ኣይከኣልን'ዩ። ናይ ሎሚ ጸራፍያን'ውን ከምኡ፡ ኣጣል ዝሕልዉ ፡ኣብ በረኻታት facebook ዝውዕሉ ዘለዉ ጓሶት መሲሎም ይረኣዩና እነሀዉ።ዓስ ይብሉኻሞ፡ ንሓሳቦም ምቕባል እንተኣቢኻ ግን፡ከረድኡኻ ወይ ብሱል ምጉት ሒዞም ክቐርቡኻ ዓቕሚ የብሎምን።ስለዚ በታ በዓልቲ ሞያ ልሳኖም ገይሮም፡ ብጸርፊ ዓስ ይብሉኻ። ለካ ብጸርፊ'ውንባ 'ዓስ!' ይበሃል'ዩ! መቸስ፡ ምስ ሰብ እንክተረዳዳእ ናይ ኣእምሮ ጒልበት ክትጥቀም፡ ምስ እንስሳ እንክትማጎት ድማ ዶንጎላ ክህልወካ ባህርያዊ ኢዩ።ናይ ዘመንና ጸረፍቲ ግና ኮር ተገልበጥ ትኸውን ኣላ።


ለካ ኣብ ዓለምና ሓደሽቲ ጓሶት ይፍጠሩ ኣሎዉ።ናይ Facebook ጓሶት።ክጸርፉ እምበር ከማጎቱ ዘይክእሉ። ብጸርፊ ክዋረዱን ከዋርዱን እምበር፡ ነቲ ግገኛ ክእርሙ ዘይክእሉ። "ከመይ ኢለ ክሕግዞ"ዘይኮነስ ከመይ ኢለ ጅግንነተይ የርእዮ በሃልቲ፡፡ ጥበብ ኣልባ ጓሶት ይፈርዩልና ኣሎዉ። ሕጂ'ውን ክፍለጥ ዘለዎ፡ ሓደ ጸራፊ በዓል ሞያ፡ ክንድዚ ዝኣክል ናይ ጸርፊ ልምምድ ይግበር ኣይግበር ብዘየገድስ፡ ንኣእምሮኡን ኣእምሮ ሰማዕትን፡ ስለዝጸረፈን ዘጽረፈን ጥራይ፡ ቅንጣብ ናይ ምዕባለ ኣስተዋጽኦ ኣየምጽኣሉን ኢዩ።ኣብዚ ናይ ኣካዳምያዊ ቤት ትምህርቲ ኪደት ኣቓልቦ ዝግበኦ ጉዳይ ኣሎ፡፡ ንኣሽቱ ተማሃሮ፡ ዕሸላት፡ ዓለም ብዙሕ ተስፋ ምዕባለ እትገብረሎም ህጻናትን መንእሰያትን፡ ናይዚ ጸርፍታት'ዚ ተቛደስቲ እንዳኾኑ ይመጹ ኣሎዉ።ሓደ ተማሃራይ ናይ ዩኒቨርስቲ ጥበብ ከፍሪ እንዳተጸበኻ፡ መመንጨዊ ጸርፊ እንዳኾነ ይመጽእኣሎ።ተማሃሮና ስለዝተማሃሩ፡ ብብሱል ኣእምሮኦም ንዓለምና ከስተምህሩ እንዳተመነኻ፡ ከረድኡን ክረዳድኡን ይኽእሉ የለዉን፡፡ ጸርፊ ግን እንኮ መፍቲሕኦም ኴና ንርእያ ኣለና።ንናይ ሽግራት መፍትሒ ዝኾኑ ቃላት ኣይምህዙን፡፡ ሓደሽቲ ዘመናውያን ናይ ብዕልግና ጸርፊ ግን ንምምሃዝ ብሕልሚ ከይተረፈ ይምነዩ። ናይ ጸራፊት ልሳን ዘገርም ነገር፡ ክእለታ ካብቲ ብድንቁርና ዝተኸበበ ኣእምሮ ዝምንጩ ምዃኑ'ዩ።


ስለዚ Facebookናን Yutoubeናን ሓደሽቲ ጓሶት የፍርየልና ኣሎሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ወናኒ ጥበብ፡ ንምጥፋእ ማሃይምነት ናይ ምጽዓር ሓላፍነት ይሰከም። እቲ ስራሕ፡ ማሃይምነት ካብ ኣእምሮ ንምልጋስ፡ብመጀመርያ ገዛእርስኻ ብጥበብ ዝተኸበበ ብሱል ኣእምሮ ክትውንን ብምግባር'ዩ ዝቕድም። ንኣብነት ነቲ ኣብ ስነ-መጎት፡ ምርዳእን ምርድዳእን  ዝኣበየካ ሰብ፡ካብ ክትጸርፎ ዋላ ይጋገ ይሃሉ፡ ፍሽኽ በሎ። ፍሽኽታኻ ምላልባሽ ብተንኮል ወይ ብኣሽሙር ክትርግሞ ይኽእል ይኸውን።ንስኻ ግን ካብ  ኣእምሮኻ ዝመንጨወ ጥዑም ፈገግታ ምሃብ ወትሩ ተለማመድ እምበር፡ ዘይብሱል ልሳን ከተጥሪ ክትብል፡ ኣብ ልሳንካ ሕማቕ መርዚ ኣይትኽዖ። እወ፡ ልሳንካስ ብጨው ደኣ ኣቃምማ'ምበር፡ብመርዚ ምምራዝሲ፡  ንስኻውን 'ታይ ግድኻ ክትምረዝ ኢኻ።

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...