lørdag 20. mai 2017

እቲ ዘገርምዶ-!!!

ኣነ ዝገርመኒ ግን ድፍረት ደቂ ሰባት ዘይኮነስ።ምሕረት እግዚኣብሄርዩ።ሰባት ምስ ኣምላኽ ብሓጥያት ምኽንያት ቅርሕንቲ ንምፍጻም ድግዲጊት ክንዕጠቕ እንከለና፡ንሱ ድማ ካብ ናይ ምሕረቱ ጡብ ንኽንጠቡ ኢዱ ዘርጊሑ ንንስሓ ክጽበየና እንከሎ ከመይ ዘየገርም።
ካብ ኤርትራ ናብ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን፡ካብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ሳህራ ሰንጢቕካ ናብ ሊብያ፡ንምብጻሕ ዝግበር ምስ እግዚኣብሄር ሽርክነት ደራሲ ሓንጢጡ ኣይውድኦን ኢዩ።ኣብቲስለ ኣምላኽ ዘይዝንተወሉ ዓዲ ሊብያ፡እግዚኣብሄር ዛንቱኑ ንኽነግረና ኣብ ዓዲ ጭቆና፡ ሰላም፡ኣብቲ ተስፋ ዝቑረጾ ስፍራ፡ ጥዑም ቃሉ እንዳመገበ ምስ ምሕረቱ ዘላለየና ኣምላኽ ኣብ ማሕቡሳዊ ስፍራ ናይ ሊብያ ኢዩ።ኣብዚ ኩነትዚ ወድሰብ ምስ ኣምላኽ ዋላቲ ዘይኣማኒ ብናይቶም ኣመንቲ መብጻዓነት ተደሪኹ፡ብመዝሙሮም ዘመረ፡ኣብ ጸሎቶም ሰመረ፡ኣብ መብጽዕኦም ድማ ክርስትያን ንኽከውን ድንዕ ድንዕ ዝበለሉ ግዜ ነይሩ ኢዩ።
እዛ ከምዚ ኢላ ምስ ኣምላኽ ቃል ኪዳን ዝኣተወት ክርስትያናዊት ነፍሲ፡ሕጂ ግን የድልየኒ ኢዩ እትብሎ ምስ ረኸበት ንፈጣሪኣ ረስዓቶ።መብጽዓኣ እካ ከይፈጸመት ኣሻባ ካብ ቤቱ ሓከለት።መንፈሳውነት ኩንትራት ኢዩ መሲልዋ መስለኒ ኩሉ ክርስትናኣ ብሓጣውእ ቂሂሞም።እቶም ምስኣ ዝነበሩ ዘይኣመንቲ ንዓኣ ረሪኦም ንኣምላኻ ደጋጊሞ ጸረፍዎ።"እዚ ኹሉ ባሕሪ ኣሳግረኒ ኢላ ትዝምር ነይራስ፡ምስ ሰገረት ምስ ደራፎ ክትጽምበር፡ ዓገብ እዚ ኩሉ ከገልግለካ ኢየ ኢላቶስ፡ሕጂ ኣገልጋሊት ሰይጣን ኮይና፡ብሓቂ ኣምላኾም ዓሻ ስለዝኾበር፡ነዚ ክትገብር ምኻና ዝፈልጥ ነይሩ ተዝኾውንሲ ኣብ ባሕሪ ከጥሕላ ነይርዎ፡ብሊብያውያን ከጥፍኣ ነይርዎ፡" እንዳበሉ እቶም ምስኣ ዝነበሩ ዘይኣመንቲ፡ናይ ሕጂ ግብሪ ክርስትያን ረሪኦም ንፈጣሪ ይጻረፉ ኣሎዉ።
ሎሚ ብፈረንጂ ዕለት 27/05/2017
ብግእዝ ድማ ቅዱስ ሚካኤል መዓልቲ12/ግንቦት 2009 ኣብ ክርስትያንሳንድ ቆጸራ ናይ ዳንኬራ እንግዶት ተዋሂቡ ኣሎ ናይ ደራፎ እንግዶት ንዘምር ዘይኮነስ ንሳዕስዕ።ቅዱስ ሚካኤል መዓልቲ ዳንኬራን ለይታዊ ትልሂትን ክትሓልፍ ኢያ።ሕጂ እዛ ኣብ ኣፍሪቃን ዓዶ ኣዕራብን፡ምስ ኣምላኽ ብፍጹም ልባ መብጽዓ ትኣቱ ዝነበረት ነፍሲ፡ሕጂ ምስ ሓጥያት ክትመሓዞ ተቐሪባ ኣላ።መእተዊ ዋጋ 250 kroner ወይ 25 dollars ኢዩ።ልዕሊ ገንዘበይ ጉልበተይ ከይተረፈ ንዓኻ ክግዛእ ኢየ ኢላ ብሕሹኽታዊ ናይ ልባ ድምጺ እትጭድር ዝነበረት ነፍሲ ፡ሕጂ ቃላ ክትዓጽፍ እንከላ ኣየገርምን ኢዩ።እቲ ዘገርም እግዚኣብሄር ንስሓ ከይኣተወት እዛ ነፍሲ መታን ከይትጠፍእ ናይ ንስሓ ዕድመ ይህባ ምህላዉ ኢዩ።ከመይ ዝበለ መሓሪ ኣምላኽ ኢዩ ብኡነት።

ካብ ሓጥያትናሲ፡ምሕረቱ የገርም።ካብቲ ንሕና ስለውድቀትና እንሓስቦስ፡ንሱ ስለትንሳኤና ዝሓስበልና የገርም።ካብቲ ንሕና ንሰይጣን ንኸነሕጉስ ኢልና እንጽዕሮስ፡ንሱ ስለመንፈሳዊ ሓጎስና ዝተግሃልና ብምብዝሑ ከመይ ዘየገርም።
እታ ኣብ ማዕበል ባሕሪ ብዝባልዑ ዓሳታት ተኸቢባ፡
" ኣንቲ ኣደየ ኣደየ ትፍልጥያ እንዲኺዛ ዛልበየ፡
ኣንቲ ማርያም ጸባ ማርያም ጸባ፡
ኣውጺኽና እንዲኺ ካብ ጸበባ፡
ኣብ ስደት ዘለዉ ዕምበባ ፍዮሪ፡
ኣደየ ድሃዮም ግበሪ፡
እግዚኣብሄር ሓላዊና ጋሳይናዩ(2)
ኣብ በረኻ ኣብ ስደት(3) ኣብ ዝኾነ ቦታ(2)" ኢላ ብመንፈሳውን ያሬዳውን መዝሙር ጎሮረኣ ክሳብ ዝስንጠቕ ትጭድር ዝነበርት ነፍሲ፡ሕጂ ግን ኣየናይ ኢላቶ፡
ንኹሉ ኣጥፊኣቶ።ናብ መንፈሳዊ ጉባኤ ኣብ ትጋባኣሉ ግዜ ንኽትዝምር ኮነ ክትሽብሽብ የእዳዋ ደሪቑ ጎሮሮኣ ላሕቲትዋ።ከይስሕቁኒ ብዝብል መንፈስ ሰይጣን ኣታሊልዋ።ምስጋና እግዚኣብሄር ዘይምልከታ ኮይኑ ግዲ ተሰሚዕዋስ ንምሽብሻቡ ኮነ ንምዝማሩ ፈጺሙ ኣብይዋ።ኣብቲ ዳንኬራ ግን እቶም ደራፎ ህርመት ሙዚቃ ጅም፡ጅም፡ጅም እንክበል ቀዲማቶ ትዘልል።ሜጀር ናይዚ ሙዚቃ ቀይረለይ ጎሮረይ ምስዚ ሙዚቃ ኣይከይድን ኢዩ እካ ኣይትብልን።መምስ ዝተጀመረ ህርመት ብዝተሰንጠቐ ጎሮሮ ትጭድር።እዚውን ኣየገርምን ኢዩ።እቲ ዘገርምሲ ዋናኣ እግዚኣብሄር መዓስኮን ኢያ ስለኽብረይ ትዝምርን ትዘልልንሞ፡በረኸተይ ከፍሲሰላ ኢሉ ብትዕግስቲ ይጽበ ምህላዉ ኢዩ።

ኣብቲ ግዜ መከራ ናይ ሳህራን ባሕርን እቶም ዘይኣመንቲ ከይተረፈ ብትግሃታ ይመሃሩ ነይሮም።ሕጂ ግን ዋላ እቶም ኣመንቲ ክመሃሩላ ኣይከኣሉ።ንቤተ ክርስትያን ገገዲፋ ናብ ካልኣ ትዕዘር ኣላ።እዚውን ኣየገርምን ኢዩ፡እቲ ዘገርምሲ እግዚኣብሄር ገለ ተተመልሰት ኢሉ ብናይ ንስሓ የእዳዉ ብዓቕሊ ይጽበያ ምህላዉ ኢዩ።
እቶም ሽዑኡ ዝነበሩ ኣገልገልቲ ንቃሉ ብትግሃትን ብትብዓትን የማሓላልፉ ነይሮም።ኣብ ቅድሚቶም ዘይኣመንቲ ከይተረፈ መንፈሳዊ ትብዓቶም ኣዝዩ ይማርኽ ነይሩ።ብመንፈሳውነቶም እቶም ኣረመናውያን ከይተረፈ ተገሪሞምን ኣስደሚምዎምን ኢዩ።ኣብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ናይ ሊብያ ዘጋጠመ፡ጸሎት ካብ ርበሻን ባእስን ትኣሊ ምኻና ፈሊጦም፡እቶም ንክርስትያን ዝጸልኡ ወገናት" ጸልዩ፡ጸልዩ፡ክርስትያት ተኣኪብኩም ጸልዩ!" ዝበሉልና ግዜ ይዝከረኒ።ንሕና ድማ ሃይማኖትና ማዕረ ክንደይ ዕድለኛታት ኮይንና ብዘይጉድለት ካብ ኣቦታት ከምዝተረከብናያ ምኻንና ፍናን ይስመዓና ነይሩ።ሎሚ ግን እቶም ኣገልገልታ ገጽ ሰብ ረሪኦም ክሰብኩ ጀሞሮም።ከምዚ ይሰበኸና ተይሎም ከምኡ ይብል፡ከምዚ ኣይትበል፡ጽውጽዋይ ንገረና እንተኢሎሞ፡ብማዕዶ ኣብ ገጾም ዘሎ ጽሑፍ ኣኣምቢቡ ንዖኦም ከሐጎስ ክብል ይነብር ኣሎ።ኣብ ዓዲ መከራ፡ኣምላኸይ ከይጸልኣኒ ኢሉ ስለኣምላኽ ዝነብር ዝነበረ ክርስትያናዊ ኣገልጋሊ፡ሎሚ ግን ሰብ ከይጸልኣኒ ክብል ንናይ ነፍሲ ወከፍ ድሌታት ሰብ ከማልእ ክብል፡ኣብ ስጋውነት ተዋሒጡ ተረፈ።እዚውን ኣየገርምን ኢዩ።ዘገርምሲ እቲ ዝግልገል ዘሎ ፈጣሪ ብፍጹም ምሕረቱ ዓይኑ ይጥምተና ብምህላዉ ኢዩ።
ሕጂውን ኣብዚ ምዕራባዊ ዓለም እቶም ኣምላኽ የለን ዝብሉ ወገናት፡ባዕላቶም ዝሃነጽዎን ባዕላቶም ዝውንንዎን ህንጻ " እንኩም ኣብዚ ተኣኪንኩም መንፈሳውነትኩም ኣከናውኑ" እንክብሉና ብዓይንና ንርኢ፡ብእዝንና ንሰምዕ ኣሎና።" ኣብ ቅድሚ ጸላእተይ ማእዲ ሰራዕካለይ ዝብል ጽሑፍ(መዝ23)ብግሪ ክፍጸም ንርኢ ኣሎና። እዛ ክርስትያናዊት ነፍሲ ግን እምቢ ኢላ።ኣይእከብን፡ኣብ ኣምላኽ ዝሕጎሶሉ፡ ስፍራ ኣብ እግዚኣብሄር ዝምለኸሉ ኣገልግሎት
ኣይሕወስን ኢላ ሓንጊዳ።እዚውን ፈጺሙ ኣየገርምን ኢዩ።ዘገምሲ መዓስ ኮን ኢያ ሐራይ ትብል ኢዩ፡ንኸይትጠሚ እንዳመገበ፡ከይትዓርቕ እንዳኸደነ፡ዝጋስያ ዘሎ፡ኣምላኽ ካብዚ ከኒባቶ ዘላ ንኽትምለስ ዕድል ሂቡና ምህላዉ ኢዩ።ኣብ ዓድና ዝራብዕ ምሕራስ እንተኣብዩ፡ከኒቡ ይበሃል፡ስለዚ ንዝኸነበ ዝራብዕ ጭርኡ ትነኽሶሞ፡ካብቲ ክንበቱ እታ ምንካስ ስለተቐንዝዎ ቀልጢፉ ይትንስእ።እግዚኣብሄር ግን ዝሓለፈ ኣብ ሳህራን ባሕርን ዝቐጻዕክዎም ይኣክል እንዳበለ ኢዱ ፍጹም ንምሕረት ምዝርገሐን ከመይ ዘተገርም!!!
ከምዚ ኢሉ ይጽውዓና፡ " ጉዕዞኹም ተዓዘቡን መርሙሩንሞ፡ናባይ ናብ እግዚኣብሄር ተመለሱ" ይብል።
ወስብሀት ለእግዚኣብሄር።

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...