søndag 28. november 2021

ኣእምሮ ስምዒታቱ ክለዋውጥ፡ መን'ዩ ተሓታቲ፧

በስመ ስላሴ





√ ናብ ሕልና ኣቢሎም ዝውርወሩ ረቀቕቲ ኣእሻኽ፡ መእተዊኦም ብመሳኹቲ ኣዕይቲ'ዩ።
√ ልዕሊ ዕንጒለ ዝዕርዕሩ ፍጻሜታት ብድምጺ ወይ ስእላዊ መልክዕ ተቓሚሞም ናብ ሕልና ዝኣትዉ፡ ተነባቢ ከብሒ ስለዘሎ'ዩ።
√ ኣብዚ ዘመንና ስለ ዕለታዊ ፍጻሜታትን ንኣእምሮ ዝውጥሩ ነገራትን ኣመልኪቶም፡ መጽናዕቲ ዝገብሩ ንፉዓት ሃየስቲ ተዝርከቡ፡ ንኲዕታ ዝሕረ እኹል ጫካ internet ኮይኑ ምጸነሖም ይመስለኒ።

ንኣብነት፥-

√ ኣብ internet፡ ኣዝዩ ዝተጨነቐ ተስፋ-ቆረጽ ዝኾነ ሰብ ትርኢሞ፡ ኣእምሮና በቲ ፍጻመ ተሰናቢዱ "እምበርዶ ኣለኻ ኢካ!" ኢሉ ምስ ኣምላኹ ክደራደር ትንዕ-ትንዕ ይብል።
√ በቲ ካልእ መስኮት ናይ facebook ድማ ኣእምሮ ንሓደ፡ ብሓጎስ ተጨዲዱ ኣብ መንግስተ ሰማይ ዘሎ ክሳብ ዝመስሎ ኮይኑ ልዕሊ መጠን ዝተሓጎሰ ሰብ ይርኢ'ሞ፡ እቲ ብቈሪጸ ተስፋ ተሓሊሉ ዝጸነሐ ኣእምሮ ኣብዘን ቁንጣሮ ካልኢታት ኣወንታውያን ስምዒታቱ ክለዋውጥ ይግደድ።

√ በቲ ካልእ ፍኒስትራ ናይ instegram ድማ ክልተ ወይ ልዕሊኡ ዝከራኸሩ ኣካላት፡ እረ እነሓንሳእ ክርክሮም ከምኡ ኢሎም ካብ ማሕጸን ኣዴኦም ኣትሒዞም ተመክሮ ዝወሰድሉ ክርክር ብዝመስል ኣብ ሕልና ከቢድ ነውጺ ክፈጥር ዝኽእል፡ ኣጀንድኡ ረሲዑ'ውን ምውንጃል ምጽርራፍ ቀመም ዝገበረ ክትዕ ክዕዘብ ይጅምር ኣእምሮ። በዚ ድማ "ኣንታ እምበርዶ'ዛ ዓለምና ዝሰማምዑ ሰባት ኣለዉዋ ኢዮም፧" ኢሉ ብምሕሳብ ፡ "ደጊም ካብ ምስ ዘይረዳዳኣካ ሰብ ምዝራብ በይናዊ ሕይወት ክመርሕ ይሕሸኒ!" ናብ ዝብል ውሳነ ብምሕሳብ ንሰባት ክጽይን ይደናደን።

√ በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ ምንዝርናዊ ወይ ንምዝርና ዘለዓዕል ትርኢት ይምልከት'ሞ ኣዝዩ ይስምብድ። "ትማሊ-ትማሊ እሙናት ምርዑዋት ሰብ ቃል ኪዳን ክፋትሑ ርእየስ፡ በዚ ኸኣ ካልኦት እንዳዘመዉ ይርኢ ኣለኹ!" ብምባል ንኣብ ዓለም ዝነብር ሰብ ኩሉ በዓለገን ብናይ ምንዝርና ሰንሰለት ዝተቐፈደን ገይሩ ክሳብ ዝሓስብ ይኸውን።

መልእዎ.... ካልእ ብዙሕ-ብዙሕ...

√ እቶም ንኣእምሮ ዝውጥሩ ፍጻሜታት ቀጻልነት ክሳብ ዝሃለዎም፡ ሕልና ቅሳነት ክሕረሞ ግድን'ዩ።
√ ሕልና ተዘይቀሲኑ ድማ፡ ጽባሕ-ጽባሕ ዝላብዑ ሕማማት ኣእምሮ ክፈርዩ ባሕርያዊ'ዩ።
√ እቲ መፍትሒ፡ ንinternet ምዕጻው ኣይኮነን፡ ንሱስ ዋላ እንተተሓሰ'ውን ዝከኣል ኣይመስለንን። ምኽንያቱ ክስረት እንከሎ'ዉን ብናትና ህየሳ ኣይኮነን ተቀሪጹ። ማለት እቶም ንintermet ዝሰረትዎ ኣካላት፡ ዕጋበታት ኣእምሮና ጥራይ ኣተኲሮ ገይሮም ዝመሃዝዎ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ ብመንገዲ'ቲ ድሌታትና ገይሮም ዝረኽብዎ ናይ ገዛእ ርእሶም ረብሓታት ኣተኲሮ ዝገበረ'ዩ።

√ "ኣእምሮናኸ ካብዚ ንሳቶም ዝሃየስዎ internet ክረብሕዶ ወይስ ክጒዳእ'ዩ ዝኽእል፧" ዝብል ኣዛራራቢ ሕቶ ክለዓል ግን ጽቡቕ ይመስለኒ።
√ ኣነ "እወ! Internet ንኣእምሮ ክጽይቕ ዝኽልእ ሕምቕ ቀለም'ዩ፡ እንተተኻኢልዎ'ውን ንኣእምሮ ምስ ሕልና ሓዋዊሱ ጨሪሱ ከዐኑ ዝኽእል ረቂቕ ኣቶሚካዊ ቦምብ'ዩ!" ዝብል ርእይቶ ኣለኒ። ግን ብግልባጡ ድማ internet፡ ልዕሊ መጠን ንኣእምሮ ክሃንጽ ዝኽእል ናይ ግሊ መምህርን ቤት ትምህርትን ምኻኑ'ውን ዘንጊዐዮ ኣይኮንኩን።

√ ስለዚ ኣእምሮ ዝምገበሉ፡ ሕልና ኸኣ ኣስተርሕዩ ዝቐስነሉ መገድታት ምፍታሽ ግን ጽቡቕ ኣመራጺታት'ዩ።

ሎቱ-ስብሐት!

tirsdag 23. november 2021

ህውኽ-ዝብኢ

 

በስመ ሥላሴ

ህዉኽ ዝብእስ፡ ቀርኒ ብዕራይ ይነክስ" ትብል ኣደይ። ነዘን ቃላት'ዚኣተን ክግደሰለንን ከስተብህለለንን ዝጀመርኩ መዓስ'ዩ፧ መልሲ፣- ኣብቲ ብእግረይ ደልዲለ ኣብዛ ዓለም ምርጋጽ ዝፈለምክሉ እዋን፡ ንዓርከ-መዘና ከኣ ከም ተወሳኺ ናይቲ ኣብ ቤት-ኣቦይ ዝነበረ ስድራ-ቤታዊ ሕውነት፡ ክግደሰሉ ኣብ ዝጀመርክሉ ዕድመ ንእስነት'ዩ። እቲ ዕድመ'ቲ፡ ብዙሕ ዝተጠናነጉ ማሕለኻታት ሕይወት ከተሳስየሉ ዘይትኽእል፡ ቦዱ ኣእምሮ ዝውንን ክልል ዕድመ'ዩ። ስለዝኾነ ከኣ'ያ ወላዲተይ፡ ታህዋኽ ቀታሊ ዓወት ምዃኑ ንምስትምሃር፡ ትጥቀምውላ ዝነበረት ነዛ ምስላ ትግርኛ። 


"ህውኽ ዝብእስ ቀርኒ ብዕራይ ይነክስ" ጨለን ወሓለን ምስላ'ዩ። ሰብ ካብ ማሕጸን ኣዲኡ ብሰላም ተወሊዱ፡ ናብዛ ዓለም ምስ መጸ፡ ቀዳምነት ዝረኽቦምን ምስ ካልኦት ሕብረተ-ሰባት ብዝተረጋገአ መንፈስ ክነብር ከምዝእእል ዘስተምህርዎን ወለዱ፡ ብዝያዳ ድማ ኣዲኡ'ያ። እምበኣር ወለዲ፡ ዉላዶም ብሰንኪ ታህዋኽ ኣብ ሕማቕ ከይወድቕ፡ ክቱር ጻዕርታት'ዮም ዝገብሩሉ። ምህዋኽ ጽቡቕ'ኳ እንተዘይኮነ፡ ንዝጎድኣካ ነገር ምርባጽ ግና ጉድኣቱ ዝያዳ ይብእስ። ከም ዝፍለጥ፡ ባህርይ ዝብኢ ብሓይሊ ሃዲንካ ምምእራር'ዩ። ብሕጽር ዝበለ፣ ስነ-ሓሳብ ኣያ ዝብኢ፡ ብዕራይ ቀቲልካ ሕይወትካ ምምራሕ እዩ። እዚ ብዓይነ-ርድኢት ኣብዑር ዓመጽ ኴኑ ክረአ እንከሎ፣ ንዝብኢ ግን ጉዳይ ከብድኻ ምግባር ስለዝኾነ ግድን'ዩ ክሃድን። ተሃዊኽካ ቀርኒ ምንካስ ግና ክልተ ክሳራ ኣለዎ ንዝብኢ።


√ እተን ድልዱላትን ተረርትን ኣስናኑ ተሰባቢረን፡ ምንጋግኡ ብዘይ ሓንቲ ስኒ ባዶ ትተርፍ። ድልዱላት ኣስናኑ፣ ተሪር ጅማትን ስጋን ክንጭታ ዝኽእላ ዝነበራ፣ ሰንኪ ታሕዋኽ ቀርኒ ስለዝነኸሳ፣ ጓህማም ዝብኢ ይቕየር። እዚ ኲነት'ዚ፣ ኣስናንኑ ስለዝረገፈ፣ ናይ ምንባብር መጻኢኡ ሕቶ ምልክት`ዩ። እምበርከ፣ ክሕኽን ይኹን ክቚርጥም እንተዘይክኢሉ፣ ካልእል ክሃድነሉ ዝኽእል መሳርያ ኣይተዓደለን።

√ ከብዱ ክዕንገል ዝሓሰበ፡ ኣብ ዘይንከስ ኣብ ቀርኒ ስለዝነኸሰ፡ ንሓደጋ ይቃላዕ። ማለት ንብዕራይ፡ ብቕድሚኡን በተን ጒላ ዝዂዕተለን ተረርቲ ኣቕርንቱን ስለዝመጾ፥ ነብሰ-ምክልኻል ክገብር ምቹእ ባይታ የንጽፈሉ። ብተዘዋዋሪ ዝብኢ ንብዕራይ ምቹእ ጒላ ይኾነሉ ማለት'ዩ። ፍጥር ክብል ንሃድን ዘይተዓደለ ብዕራይ፡ ስንፍናን ታህዋኽን ዝብኢ ሃድን ከምዝለማመድ ይገብሮ።

ከብዱ ከዐንግል ዘሓሰበ ዝብኢ ከኣ፡ መዝሓል ሕርቃን ናይ ብዕራይ ኴኑ ከብዱ ይብትበት። ምላልባሽ ከምልጥ ዕድል እንተገይሩ ድማ፡ 'ብዕራይ ጎይይዎ' እናበሉ መስሓቕ መዘንኡ ኴኑ ይተርፍ። ታህዋኽሲ እምበኣር ለካ ማዕረ ክንድዚ'ዩ ዓወት ዘስእነካን ዘጽርፈካን።


 ዘለናዮ ዘመን "መን እንታይ ኢሉ" ንምስማዕ ወይ ከተስምዕ እትህንደደሉ ናይ ማስ-ሜድያ ግዜ ኢና ዘለና። ብወገነይ ነዛ "ማስ-ሜድያ" እትብል ቃል ብትግርኛ ክትርጉማ ብዙሕ ፈተነታት ገይረ እንድየ፦ ማዕረ ክንድዚ ኣእምሮ ወዲ-ሰብ ገዚኡ (ብሒቱ)  ይነብር ምህላዉ ግና ወርትግ'የ ዝግረም። ብዝኾነ፡ እንተስ ብይኸውን ወይስ ብይመስለኒ፡ ወይ ድማ ብፈሊጥ፡ "ማስ-ሜድያ፡ እትብል ጽንሰ-ሓሳብ፡ ብክልተ ድርብ ቃላት ዝቖመት ናይ እንግሊዝኛ ቃል ኴና፡ ብትግርኛ ምትሕልላፍ ሓበሬታ ማለት ይመስለኒ። ክንጥምዝዛ 'ንተተደልዩ ድማ፡  'ሕጹጽ-ወረ' ወይ ከኣ 'ስሉጥ-ወረ' ማለት ክትከውን ኣለዋ" ኢለ ይሓስብ ነይረ ሓደ እዋን። ደሓን ክቡራት ኣንበብቲ፡ ነቲ ዘለኩም ዝያዳ ፍልጠትኩም ምስዚ ኣርእስቲ ዝመሳሰል ወስ ክትብሉ ንዓኻትኩም|ን ክሓድጎ። 


ሓቂ ይሓይሽ ጥዕና ዘለዎ ወረ`ኳ ፈውሲ ኣእምሮ እንድዩ፥ ማዕረ ክንድኡ ወረ ከተባጽሕ ወይ ወረ ክትሰምዕ ህንጡይ ምዃን ግን፡ ምስቲ ህዉኽ ዝብኢ ተመሳስለካ። ናይ ሎም ሰብ ካብ ንጽቡቕ ዜና፡  ሕማቕ ወረ ክሰምዕ ወይ ከስምዕ ዝህወኽ ይዝሕ ኣሎ። ወለድና፡ ንሕማቕ ክንህወኸሉ እንከለና ዘይኮኑስ፡ ንጽቡቕ ነገር ክንህወኽ እንከለና እዮም፡ ነዛ ምስላ ዝደጋግሙልና ነይሮም። እቲ ምኽንያት'ውን ርዱእ'ዩ፡ ብሰንኪ ታህዋኽ ምስትውዓል ኣእምሮና ስለዝዛባዕ፡ ነቲ ዝሓሰብናዮ ጽቡቕ ነገር መታን ከይንኸስሮ ብማለት'ዮም።  ናይ ሕጂ ሰብ ግን፡ ክልተ ነገራቱ'ዩ ዘገርም። 


√ ብኣእምሮ ሰብ ኣብ ዝተሰርሐ ማስሜዳ፡ ግዙእ ኴኑ ይነብር ምህላዉ!

√ ኣክንዲ ጽቡቕ ፍልጠት ንምኽዕባት ዝህወኽ፡ መን እንታይ ኢሉ ወረ ንምእካብ ይህንደድ ምህላዉ!

ወለድና ኲልንትናና ንማስሜዳ ተወፍዩ ምህላዉ ተዝርእዩዎስ እንታይ ኮን ምበሉ፧ 'ጽቡቕ ክትረክብ ምህንዳድሲ ድሓን ነይሩ፡ ድሓን ንዘየምጽእ ወረ ክትምእርር ግዜኻ ምብኻን ግና፡  'ታይ'ዩ ጣቊኡን ቊንቊኝኡን፧' ኢሎም ምተገረሙ ይመስለኒ። ኤእ እንቋዕባ ኣይርእዩና፡ እንታይ ኢሎምከ ክምስሉ! 


መን እንታይ ኢሉ ዘይኮነ ግና፡  መን እንታይ ይጠቕመኒ ተንኸውን ጽቡቕ ምበዝሐ። እወ፡- መን እንታይ ይብል ኣሎ፡ ዘይኮነስ መን እንታይ ተራ ኣለዎ ኣብ ሕይወተይ፡ መን መዓስ እንታይ ኢሉ ዘይኮነ ከኣ፡ መን መዓስ ይሃንጸኒ፡ መን ዘፍርስ ተዛሪቡ ዘይኮነ፡ መን እንታይ ዝሃንጽ ተዛሪቡ ኢልና ዝያዳ ተንግደስ፥ ኣብዛ ዓለምና ዝሃንጽን ዘሀብትምን ሓሳባት ምበዘሐ። እዚ ናይ ሕጂ ዝፈረሰ ኣእምሮና ድማ፡ 'ብቅልጡፍ ተጸጊኑ፡  ጽባሕ ተስፋ ዘለዎ ትውልዲ ከፍሪ'ዩ' ኢልካ ብዘይስክፍታ ምንባር ምተጀመረ። ሎምኮ ሰብ፡ ኣይኮነን ንናይ ጽባሕ ሰብ ሓድጊ ክገብርን ክምህዝን፡ መሃዚ ኣእምሮና ብማስሜድያ ተመንዚዑ፡ ሰብ ንርእሱ ክኾነሉ ኣብዘይክእል ደረጃ'ዩ ተበጺሑ ዘሎ።


 ኣንክንዲ ቴክኖሎጅን ማስሜድያን ብምብዝሑ፡ ሃብታም ፍቕሪ ክህሉ ዝግብኦ፡ ኣብ ዲቕ ዝበለ ስሙር ጽልኢ ከም ንሽመም ኴንና ኣሎና። ይዋእ! ኣባ ጓይላ ዘይብሉ ዘመነ ስሙር ጽልኢ! እቲ ቀደም-ቀደምሲ፡ ኲሉ ጽሒፉን ኣንቢቡን ዝኽእል ስለዘይነበረ፡ ኣብ ርሑቕ ንዘሎ ሰብካ፡ ብሓደ ክኢላ ገይርካ ደብዳበ ተጽሕፍሞ፡ ሰታሪት ዓዲግካ ብምዕሻግ ብሰብ ትሰደሉ። እታ ሰታሪት ድሕሪ ነዊሕ መዓልታት ኣብ ቦታኣ ምስ በጽሐት ድማ፡ ንሱ እቲ ተቐባሊ ምንባብ ብዝኽእል ገይሩ የንብባ። ሽዑ እቲ ዝነበረ ፍቕርን ናፍቖትን እናሻዕ ፉሕ-ፉሕ ይብል ነይሩ። ሎም ግን ኣክንዲ ኲሉ ወዲ-ኣዳም መራኸቢታት ዝቐለለሉን ኲሉ ከንብብን ክጽሕፍን ዝኸኣለ፡ ኲሉ ንጽልኢ ህውኽ ኴኑ'ሎ።

ቴክኖሎጂ ከምቲ ሰብ ዘምጽኦ፡ ኲሉ ሰብ ንጽቡቕ ክጥቀመሉ ዝግብኦ፡ ብዙሕ ሰብ ንመጻልእን መማሰውን ክጥቀመሉ እንክትርኢ፥ ሕሉፍ ዘመነ ህውኽ ዝብኢ ዝበጻሕና ይመስለኒ።  ካን በቃ፣ ሰብ ዳርጋ ጽቡቕ ክረክብ ኢሉ ኣይኮነን ኣብ ማስሜድያ ተሰጢሑ ዝውዕል ዘሎ ክትብል ትደፍር። 

እግዚአብሔር አምላኽ፡ ንማስሜድያ እንቋጻጸረሉ ዘመን የምጻልና።

ሎቱ-ስብሐት!

fredag 12. november 2021

ሥላሴ ትትረመም ወትትነከር (ጥዕምቲ መዝሙር)

 


ሥላሴ ትትረመም ወትትነከር(4)

ይግባእ ምስጋና ይግባእ ውዳሴ
ኲሉ ዝፈጠረ ንቅድስት ሥላሴ
ዘመናት ብጥንቲ ቅድም ዝነበረ
ንፍጥረት ብምልኡ ንኽብሩ ፈጠረ

ክብል ሃሌሉያ ኪሩቤል ክመስል
በእግረ ምስጋና ንያሬድ ክኽተል
ከቕርብ ምስጋና ምስለ ሱራፌል
ውዳሴ ምስጋና እዩ ንልዑል

ብስም ሠለስተ'ዮም ከምኡ'ውን በአካል
ብግብሪ ሠለስተ ብዘይምምቕቓል
ንፍጥረት ብምፍጣር ብአምላኽነት
ብባኅርኦም ድማ ከምኡ ብመንግሥት
ሐደ አምላኽ'ምበር ኣይኮነን ሠለስተ

ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ዝፋኑ ዘርጊሑ
ክብሩን ጎይትነቱን ኣብ ኲሉ ሰፊሑ
ይነብር ዘለዓለም ብመንግስቱ ጸኒዑ(2)

ይመስክር ዮርዳኖስ ይዛረብ ታቦር
ናይ አምላኽ ጎይትነት ናይ ሥላሴ ክብር
እነሆ ኣብዮርዳኖስ  ወልድ ተረኽበ
መንፈስ ቅዱስ ተራእየ አብ'ውን ቃሉ ሃበ

ካብ ኣምሓርኛ ዝተተርጎመት መዝሙር

tirsdag 9. november 2021

በእንተ-ትዕቢት



በስመ ስላሴ

√ ካብ ውሽጥኻ፡ መናድቕ ትዕቢት ክፈርስ ትደልዮ እንተኾይንካ፡
ብመጀመርያ፡-

√ ንስኻ ሓደ ካብ ሰባት'ምበር ልዕሊ ኩሉ ሰብ ዘይምኻ ተረዳእ!
√ ኣካል ናይ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ኢኻ'ምበር፡ ልዕሊ ኩሉ ዘይምኻንካ ክትኣምን ኣለካ።
√ ኣካል ናይ ሓደ ሕዝቢ እምበር ልዕሊ ኩሉ ሕዝቢ ከምዘይምኻንካ ክስቆረካ ኣሎዎ!
√ ከም ኩሉ ክርስትያን ሓደ ዓይነት ሰማያዊ ርስቲ እትወርስ'ምበር፡ ንመንግስተ ሰማያት ልዕሊ ኩሉ ከምትጽሓካ ገይርካ ኣይትሕሰብ!
√ ንስኻ ኣካል ናይ ሓንቲ ማሕበረ ክርስትያን ኢኻ'ምበር፡ ንነብስኻ "ዓይኒ ማሕበር ኢየ! እንዳበልካ ኣይተታልላ።

√ ካልኦት ብመንፈሳዊ ይኹን ስጋዊ ብቕዓት ኣዝዮም ዝበልጹኻ ክህልዉ ከምዝኽእሉ እመን!

ስለዚ፡-
√ ስለቤተክርስትያን ክትብል "ሓልዮተይ ዘይተፈልጠለይ!" ኢልካ ኣይከተዕገርግርን ኢኻ፡ ምኽንያቱ ነቲ ከማኻ ዘገልግል ዘሎ ብጻይካ'ውን ከምቲ ናትካ ሓልዮት ናይ ቤተክርስትያን ክስምዖ ከምዝኽእል ስለእትፈልጥ'ዩ።
√ "ቅድመ ኩነት ናተይ ሓሳብ ይተግበር!" ዝብል ሰይጣናዊ ድርቅና ኣይክሕዘካን'ዩ፡ እምበርከስ ካብዚ ናትካ ዝበልጹ ካልኦት ዓበይቲ መንፈሳውያን ሓሳባት ክውሕዙ ከምዝኽእሉ ስለእትርዳእ'ዩ!
√ ብደገ ዝመጸካ ነቐፌታን ተቓውሞን፡ "ከም ፍቓድካ ይኹን ኣምላኸይ!" ኢልካ ንምቕባሉ ኣይክጽግመካን'ዩ፡ ምኽንያቱ ልሳንካ ንባዕላ፡ኣብ ምጽራፍን ምድፋርን ዘሕለፈቶ ግዝያት ቀሊል ከምዘይኮነ ስለትርዳእ!

√ ማለት ሓንቲ እትነቅፍ ልሳን ዘላቶ ሰብ፡ ልሳኑ ኣብ ነቐፌታ ዝቕበል ኣቕምሮ ዝተተኽለት ልሳን ክትከውን ስለዘለዋ'ዩ።

√ ጌጋታት ንምርኣይ ዝህወኻ ኣዕይቲ ዘለወኦ ሰብ ድማ፡ ንሳተን እተን የዕይንቱ ኣብ ንጌግኡ ክቕበል ዝህወኽ ኣእምሮ ክትከላ ስለዘለወን'ዩ።

√ እቲ ጌጋታት ንምእራም ዝወጣወጣ ኣጻብዕቲ ዘለወኦ ሰብከ፡ ኩለን ኣጻብዑኡ፡ ብክጋገ ዝኽእል ኣእምሮ ይእዘዛ ምህላወን ፍሉጥ ስለዝኾነ'ዩ።

ሓንቲ ምሳሌ፦

√ ንምሳሌ፡ በታ ንምፍርራሕን ጌጋ ንምእራምን ኢልና ንምውጥዋጥ እንጥቀመላ መመልከቲቶና፡ በይና ፈሊና ናብቲ "ጌገኛ'ዩ!" ዝበልናዮ ሰብ ገጽና ብምምልካት ምስ ኣዋጣወጣናያ፡ እተን ዝተረፋ ዝበዝሓ ኣጻብዕትና ግና ናብ ገዛእ ርእስና ኢየን እንዳመልከታ ዘወጣውጣልና። እምበኣረከስ ተፈጥሮ ኣጻብዕና፡ ንናይ ሰባት ጌጋ ንምፍላጥን ንምግናሕን እካ ንጥቀመለን እንተኾንና፡ ብሚእታዊት ክረአ ተኾይኑ ግን፡ 25% ሓንቲ ጻብዕቲ ጥራይ ንናይ ካልኦት ሰባት ጉድለት ንምግናሕ ክትጠቕማና እንከላ፡ እቲ ዝበዝሐ ቁጽረን ግን 75% ናትና ጉድለት ከርእያና ክብላ ኢየን በቲ ዝበዝሐ ቁጽረን ገይረን ናብ ገዛእ ርእስና ዘአንፍታ።

√ ስለዚ ድርቅናናን ትዕቢትን ወጢርና እካ ጉድለት ካልኦት ክንርኢ ህዉኻት እንተኾንና፡ እግዚኣብሔር ግን በዘን ናይ ኣጻብዕትና ተፈጥሮ ገይሩ ቀዳምነት ናትና ክንርኢ ከምዘለና እንዳመሃረና ይነብር።

እግዚኣብሔር ኣምላኽ ትዕቢተ ሰይጣን የርሕቐልና፡ ትሕትና ቅዱሳን ድማ ይዓድለና!

ሎቱ-ስብሐት!

torsdag 21. oktober 2021

ኦ ድንግል! ኦ እመ አምላክ!

 


 

           በስመ ሥላሴ

     ኦ ድንግል!

ማሕዘልኪኮ ነቢዑ

ዘይሕዘል ስለዝሓዘለ

ዘይክደን ስለዘዕቀለ

መከራኺ መከራ ፈጣሪኡ

"ዬ!ዬ!ዬ!" ይብል ኣሎ ረሪኡ

ጽምእኺ'ዶ ኣይኮነን ጽምኡ

ካባኺ 'ንድዩ መጺኡ

ከመይ'ሉ ድኣ ይቕንዞ ዘይከምኣቡኡ

ነፍሱ ስግኡ ኲልትናኡ

ንስኺ ባዕልኺ 'ንዲኺ ኣዴኡ

እንታይ ኣብከየኪ ኣክንኡ

ጽምኣት ናይ'ቲ ዘርዊ

ቃንዛ ናይቲ ዘሐዊ

ዶኾን ኮይንኪ ይኸውን በሊሕ ቀስታዊ


ንብዓትኪ ናብ ምዕጉርቱ

የዕይንትኪ ናብ ስቅያቱ

እንክርእያ ደኣ 'ታይ በሉ'ቶም ሸፋቱ"

ይብል ኣሎ ማሕዘል

 ብስቕታ ይትክዝ ይሓዝን

ኣሳእን 'ናተወሰዳ

ስቕ'ሉ ክሓዝል

ኣበይ ክወሓጠሉ

ብርሃጹ ክጠልል

 ንብዓት ፈጣሪኡ ከመይ'ሉ ከዐቊር

 

"ገለ 'ንተኾንክዎ!" ክብል

'ዚ ማሕዘል

ንጽሓይ ገሪፉ

ጎሮሮ ከጥልል

ኣብ ዝባንኪ ኣንጺፉ

ወድኺ ብዕጽፉ

ንሕጻንኪ ወንዚፉ

'ቲ ዘርዊ ካብ ጽምኡ

ክርኢ ኣዕሪፉ

 እዩ ማሕዘል ሃረርትኡ፡

 

ኣየ ጥበብ ማሕዘል!


ክንዲ ኮቦርታ ክንዲ ጽላሉ

ክንዲ ዛሕሊ ክንዲ ጠሉ 

ብቕዓት ድዩ'ዝስ ንፈጣሪ ምሕዛሉ

ይነብዕ ኣሎ ማሕዘልኪ

"ቤዛ ኲሉ ክንድዝኾንኪ

ተሳኢኖም ዝነብዓልኪ"

እናለ ይበኽየልኪ

 

"ዬ! ዬ! ዬ!"

ይብል ድማ ኣነ

ለውሃትኪ ኣሚነ

'ታይ ይሰኣነኪ

ጾሎትኪ ማሕዘለይ'ተኾነ

ልበይ ደኣ ኣሻቡ ይዳነ

እምበር ብቐደሙስ ኣነ

 ኣበይ'ከ ኢለዮ

ነቢዒካ ምሕጎስ መዓስ ፈቲነዮ

ሕጻን'ዩ ምግባረይ ብሓጢኣት ዝሸምገለ

ብንግሁኡ'የ ካብ'ንዳ ኣቦይ ኮብሊለ

ኣብ ስደት ክበልስ

'ኔኹ ሎም ጽባሕ'ለ


"ልብኺ ግና ንልበይ ሰሚዑ

ኣሻቡ ናብ ላዕሊ ጠሪዑ

ሕሹኽታይ ተሰሚዑ

ጸሎትኪ ኣድሚዑ

ለውሃትኪ ዘይቅርዑ

ክጥንጥነንሞ ሓሰማ

ኣብጺሕኒ ናብ ጥፍሑ"

'ናልኩ ክናሳሕ

ክቕረብ ናብ ምሳሕ

ትማል ሎም ጽባሕ

ትነብዒ ዝርንዛሕ

ክትሕጎስ ክትፍሳሕ'ዛ ነፍሰይ

ክምለስ ካብ ስደት ኲንኒ ዋሕሰይ

 ኦ ድንግል ማርያም ኲንኒ ዋሕሰይ!

 ሎቱ ስብሐት! 


 



mandag 27. september 2021

ኣዋጅ ክልተ ነገሥታት

(ዲዮቅሊጥያኖስ + ቅ.ቆስጦንጢኖስ)





በስመ ሥላሴ

"ኣብያተ ጣዖታት ይረሓዋ፡ኣብያተ ክርስትያናት ይተዓጸዋ!"  ዝብል ታሪኻዊ ኣዋጅ፡ ቀንዲ መበገሲኡ እንታይ ኢዩ ኢልኩም ሓቲትኩምዶ ትፈልጡ፧ ንድዮቕሊጥያኖስ እስከ ንሕተቶሞ፡ ምኽንያታዊ መበገሲኡ እንታይ ይብል ይኾውን፧

ኣፋዊ ታሪኽ

ንጉስ ድዮቅሊጥያኖስ ሕሉፍ ታሪኹ፡ ኣዝዩ ኣማኒ ክርስትና ከምዝነበረ'ዩ ዝንገር። ከም ኲሉ ኲነታት ኲናት ከኣ፡ ሓደ ግዜ ምስ ሓደ ካብቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ነገስታት ብርቱዕ ውግእ ተጋጠመሞ፡ድዮቅሊጥያኖስ ኣብቲ ኲናት ሲዒሩ ወጸ።ዝማረኽ ማሪኹ ዝቕተል ቀቲሉ ክወጽእ እንከሎ፡ ናብ ቤተ-መንግስቲ ኣትዩ፡ ወዲ'ቲ ንጉስ ናይታ ዓዲ ማሪኹ ምስኡ ተማልኦ።ድዮቅሊጣኖስ ነቲ ዝማረኾ ወዲ ንጉስ ጅግንነቱ ከይንቀፍ ብማለት ነቲ ዝተማረኸ ቆልዓ ክቐትሎ ኣይመረጸን። እምበርከ ህጻናት ይቐትል ተባሂሉ መታን ከይንዓቕ፡ ነቲ ምሩኽ ህጻን ናብ ሓደ ገዳም ወሲዱ፡ንሓደ ካህን ኣረከቦ። "እንካ እዚ ህጻን፡ ካብ ዘይኣመንቲ ወገን'ዩ። ነገር ግን ቆርበት ብርሕሱ ቆልዓ ብንእሱ ኢዩ ዝብሃልሞ፡ ኣምሂርካ ኣብ ዝብጻሕ ኣብጽሓዮ፡፡ ክርስቲያን ግበሮ፡፡ ዘድልየካ ዘበለ ቀረብ ድማ ኲሉ ብዓለይ ክህበካ ኢየ" ኢሉ ብለበዋ ንሓደ ኣገልጋሊ ናይቲ ገዳም ሃቦ። ወዮ ካህን ከኣ ሐራይ ኢሉ ተቐበለ።

ዝተወሰነ እዋናት ምስጸንሐ፡እቶም ስድራ ናይቲ ህጻን፡ ስልያን ስለላን ገይሮም እቲ ህጻን ብሂዎቱ ከምዘሎን፡ኣብ ገዳም ድማ ክርስትያን ንምኻን ይምሃር ከምዘሎን ፈለጡ፡፡ ዝገበሩ ገይሮም ከኣ ብሕቡእ ረኸብዎ። ሽዑ ነቲ ካህን ሕጻኖም ክመልሰሎም ብኽንደይ ለመና፡ ጉቦ ኣብሊዖም፡  ኣሽሓት ወርቂ ሂቦም ኣስድዕዎ።ህጻኖም ሒዞም ከኣ ናብ ዓዶም ብሕቡእ ተመልሱ። እዚ ዝገበሩ፡ "ንማንም ኣይክንነግረልካን ኢና" ኢሎም ቃል ብምእታው ጉቦኦም ሂቦም'ዮም ኣጋግዮሞ።

እዚ ነገር'ዚ ነዊሕ ዓመታት  ኮነሞ፡እንደገና እታ ሃገር ምስ ድዮቅሊጥያኖስ ውግእ ከፈተት። ናይ  ኲናት ርብርብ ምስተኻየደ ድማ፡ ሕጂ'ውን ንጉሥ ድዮቅሊጥያኖስ ስዓረ። ዝማረኽ ማሪኹ፡ዝቕተል ቀቲሉ ከኣ ተመልሰ። ዘገርም ክስተት ግን ኣጋጠመ። እቲ ኣቐዲሙ ዝማረኾ ወዲ ንጉስ ቆልዓ ሕጂውን ማረኮዎ። እቶም ኣብ ቤተ-መንግሥቲ ኣትዮም ክጒርጒሩ ዝተላእኩ  ወተሃደራት፡ እቶም ኣቐዲሞም ነቲ ሕጻን ዝማረኽዎ ስለዝነበሩ፡"እቲ ማሪኽናዮ ዝነበርና ህጻንሲ ሕጂውን ማሪኽናዮ፡ከመይ ኢሉ ድኣ ካብቲ ገዳም  ናብ ዓዱ ተመለሰ፥"ኢሎም ናብ ንጉሦም ኣመልከቱ። ንጉሥ ዲዮሊጥያኖስ ነዚ ጉዳይ'ዚ ምስ ሰመዐ ኣዝዩ ሰምበደ።

ናብቲ ገዳም ከይዱ ድማ ነቲ ብሓደራ ዝተዋህበ ኣገልጋሊ፡ "እቲ መሃሮ"ኢልና ዝሃብናካ ህጻንሲ ከመይ ኣሎ፧ ኢሉ ደሃዩ ሓተቶ።  እቶም ካህን ድማ "ጽቡቕ ኣሎ" ኢሉ መልሲ ለኣኸ። መልሲ ምስ ሰመዐ ንጉሥ ሕጂውን እምብዛ ደንጸዎ።ናብቲ ገዳም ባዕሉ ከይዱ ከኣ ፡"እሞ ሃለዋት ናይቲ ህጻን ክንፈልጥ ደሊናስ ኣበይ ኣሎ ክተሪኡና፥" ኢሉ ሓተተ።እቶም ካህን " ኣይ! ኣነ ደኣ ከይትስምብድ ኢለ'የ እምበር፡ ካብዝሞውትኮ ነዊሕ ዓመታት'ዩ ገይሩ!" ኢሉ መለሰ።

 ንጉሥ ብመልሲ'ቲ ካህን ኣዝዩ ሰምበደ።"ካህንዶ ሓጥያት ይገብር ኢዩ፧ ንእግዚኣብሄር ዝኣክል ጎይታ እናገልገለስ ከመይ ኢሉ ክርስቶስ ነዚ ሓጥእ ሰብ'ዚ ንሒፍዎ፧ ስግኡን ደሙን እንዳፈተተኸ፥ እቲ ቅዱስ ስጉኡን ክቡር ደሙ ኣየንድዶን ድዩ!" ኢሉ ምስ ውሽጡ ብምዝርራብ ፍጹም ተገረመ።እስከ እጂውን ክሓቶ ኢየ ብማለት።"መቓብሩ ኣበይ ኣሎ" ኢሉ ይሓትት ንጉሥ። እቲ ካህን ከኣ ኴዱ ናብ ናይ ካልእ ሰብ መቓብር እናመልከተ፡ "ኣብዚ ኢዩ ተቐቢሩ" ኢሉ  ነገረ።

በዚ ስማዕ'ዚ ሕጂውን ኣዝዩ ደንጸዎ ንጉሥ። ኣብ መወዳእታ  ነቲ ህጻን ሰብ ልኢኹ ኣብ ቅድሚኦም ብምምጻእ " እነሀለ'ንዶ ደጊምና ማሪኽናዮ! እቲ ብሓደራ ዝሃብናካ ሕጻን እዚዶ ኣይኮነን፧'' ኢሉ ምስ ኣርኣዮ፡ ሽዑ ፈጠጥጥ ኮነ። ኣብ መደምደምታ ንጉሥ፡ "እንታይ ክትረክብ ኢኻ ከምኡ ዝገበርካ" ኢሉ ይሓተት። እቶም ካህን ከኣ "ፍቅረ ንዋይ'ዩ መሊኽኒ፡ሓቀኛ እግዚኣብሄር ምሳይ እንዳሃለወስ ተታሊለ ፍጹም በደል ገይረ። ይቕረ በለለይ" በልዎ። ንጉሥ ድዮቅሊጥያኖስ፡"ነዚ ክትገብር ዘገደደካኸ እንታይ ስለዝሃቡኻ ኢዮም፡ ካብቲ ሞሳ ክኾነካ ኢልና ዝሃብናካ ዝያዳ ዝበልጽ ዓስቢ እንታይ ስለዝተቐበልካ ኢኻ?" ኢሉ ደጊሙ ሓተተ።እቶም ካህን ድማ ኣዝዩ ብዙሕ ወርቂ ሂቦም ከም ዘታለልዎ ተናገረ።

ንጉሥ ነዚ ርእዩ ሕጂ'ውን ክርስቶስ ይቐጽዖዶ ኣይቀጽዖን ንምፍላጥ ናብ ቤት መቕደስ ኣምርሐ። ከም ቆራቢ ተመሲሉ፡ቅዳሴ ከቐድስ ስለዝደለየ፡ ሓቀኛ ተመሲሉ፡ ንስሓ ኣትዪ ቆረበ። ነቲ ካህን'ውን "ባዕልኻ ቀዲስካ ኣቕሩበኒ" በሎሞ፡ እቲ ካህንውን ቀዲሱ ቆረበ። ወዮ ንጉሥ "ሕጂ ክመውት ኣለዎ፡ነዚ ዝኣክል ሓጥያት ፈጺሙ ከብቅዕስ፡ ቅዱስ ስጋን ክቡር ደምን ክቕበል ብሂዎት ክነብር ኣይሓድጎን ኢዩ ክርስቶስ" ብምባል ሞቱ ተጸበየ።በዚ ኢልካ በቲ ግን፡ እግዚኣብሄር ካብቲ ንሕና ንብድሎ እቲ ንሱ ዝምሕረና ስለዝበዝሕ፥ እቲ ካህን ኣይሞተን። ምላልባሽውን መን ይፈልጥ፡ ተናሲሑ ይኾውን። እግዚኣብሄር ዕድመ'ቲ ካህን ከሕጽሮ ኣይፈተወን። ነዚ ምስ ተዓዘበ ንጉሥ ናብ ውሳነ በጸሐ።  ወርቂ ኣምጺኡ፡ ጢሒኑ በጽቢጹ፡ነቲ ካህን ብሓይሊ ኣስተዮ። ካህን ነቲ ዝተበጽበጸ ወርቂ ምስ ሰተየ  ብኡ-ንቡኡ ዓረፈ።

ዓላዊ ኣዋጅ ንጉሥ ዲዮቅሊጣኖስ

ብድሕሪ'ዚ ንጉሥ ንክርስትና ፈጺሙ ከሓደ። ንእምነት ናይቶም ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ዝነበሩ ደቂ ሰባት ዝምልከት ከኣ፡ ሓድሽን ግዴታውን ኣዋጅ ዘርግሐ! "ክርስቶስ ነዚ ካህን'ዚ ሓጥያት ዋላ እንተገበረ ኣይቀጽዖን። እሞ ድማ ዋላኳ ቁርባን እንተቖረበ ምስ ሓጢኣቱ ከሎ ኣይተንከፎን። ክርስቶስ ዓቕምን ሓይልን ተዝህልዎ፡ ስቕ ኢሉ ኣይምረኣዮን። ወርቂ ግን ነዚ ሓጥእ ሰብ ምስ ሓጢኣቱ  ክነብር ኣይፈቐደሉን፡ በንጻሩ ቆራሪጽዎ ኢዩ። ስለዚ ክርስቶሰሰ ኢኮነ አምላከ፡ አላ ወርቅ ውእቱ አምላከ። ክርስቶስ ኣምላኽ ኣይኮነን፡ኣምላክሲ ወርቂ ኢዩ። ኣብያተ ጣዖታት ይረሓዋ፡ኣብያተ ልርስትያናት ይተዓጸዋ!"ኢሉ ተሪር ኣዋጅ ኣወጀ። ድሕሪ'ዚ ኣብ ምሉእ ክርስቲያናት መከራ ወረደ፡ ዘመነ ሰማእታት መዚ ምኽንያት ተጀመረ።

ትምህርቲ

ሪኢኹም ወገናት በዛ ንእስቶይ ስንፍና ናይዚ ብረብሓ ዝሰደዐ ካህን፡ ክንድዚ ዝኣክል መከራ ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ወሪደ።ክንደይ ዝኣኽሉ ህዝቢ ኣምላኽ ብዓላውያን ግፍዒ ወሪድዎም። ለካ በታ ንእሽቶይ እንገብራ ጉድለት ብዙሕ መከራ ክመጻና ይኽእል ኢዩ።ምኽንያቱ ቤተ ክርስትያን፡ ተጻረርታ እቶም ኣብ ደገ ዘለዉ ዘይኣመንቲ ጥራይ ኣይኮኑን። እኳ ደኣ እቶም ደቃ ኣዚና ክንጥንቀቕን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣካይዳና ከነስተብህልን'ዩ ዘለና።ብውሑድ ጉድለት፡ ብዙሕ ሳዕቤን፡ ክመጽእ ይኽእል ኢዩ። ብፍላይ ብፍትወት ገንዘብን ንዋይን፡  ሃይማኖትና ንጸዓዱን ሓያላን ሃገራትን ኣሕሊፍና ክንህብ ኣይግባእን'ዩ። ስለረብሓ ስጋ ክንብል እንተተሰደድናስ ሓጢያት ኣይኮነን፡፡ ሃይማኖትና ብጥቕማ-ጥቕሚ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከነእትዎ ግን ብፍጹም ጽቡቕ ኣይኮነን። ልብሲ ቤተክርስቲያን ዝተኸደኑ ዘይደቂ ቤተክርስቲያን ከምዘለዉን፡ ቅራቦ እንጀራ ጸዓዱ ኣስዲዕዎም ሃይማኖት ንምፍራስ ዝተግሁን ከምዘለዉ፡ ሜድያ ንዂልና ነጊርናን ይነግረናን ኣሎ። ነዚ ግን ንሕና ከም ደቂ ቤተክርስቲያን ክንተግሃሉን ክንነቕሓሉን ዘለና ቀንዲ ቊምነገር'ዩ ክኸውን ዘለዎ።

ኣብ ባሕርይ እግዚአብሔር ጌጋ ኣመለኻኽታ ምህላው ዘምጽኦ ሳዕቤን ቀሊል ከምዘይኮነ'ውን፡ ከምነስተብህል ጌርና'ዩ ንጉሥ ዲዮቅሊጥያኖስ። ከምዚ ንርእያ፡ ዓለምና ብሓጢኣት ብዝዘቕበቡ ሰባት ዝመልአት'ያ። ግን ሓጥኣን ኣብዛ ዓለም ሰንኪ ምህላዎምን ቀጥታዊ ቅጽዓት እግዚአብሔር ዘይምኽሳቱን፡ ህልውና ኣምላኽ ክንክሕድ ምኽንያት ክኾነና ፍጹም ኣይክእልን'ዩ። እዚ ዝተገልጸ ታሪኽ ከምዘረድኣና፡ ድዮቅሊጥያኖስ በዚ ነገር'ዚ ፍጹም ካብ ሃይማኖት ዘምቢሉ'ዩ፡፡ ከም ምኽንያት ዘቕረቦ ጉዳይ እንተሃልዩ ከኣ፡ ነቶም ሓጥኣን'ዮም ኢሉ ዝሓሰቢም ሰባት፡ ክርስቶስ ብቐጥታ ክቐጽዖም ስለዘይረኣየ'ዩ። ንክርስቶስ ክሒዱ ከኣ ሃይማኖት ከፍርስ ብዙሕ ተቓሊሱ።  እግዚኣብሄር ግን ንቤቱ ኣይገደፋን። ቅዱስ ጊዮርጊስ ዘለዉዎም ቅዱሳን ሰማእታት  ብምትንሳእ፡ ነቲ መሪር ግፍዒ መሪር ዋጋ እናኸፈሉ፡ ብደሞም ቤተክርስቲያን ቀጻልነታ ከምዝረጋገጽ ኮነ። 

ኣዋጅ ንጉሥ ቆስጠንጢኖስ

ኣብዚ ዘለናዮ ቅንያት፡ ቅዱስ መስቀል ዝተረኸበሉ ግዜ ምዃኑ ንፈልጦ ሓቂ'ዩ፡፡ መበገሲ ናይዚ ከኣ፡ ንግስነት ሮማ ኣብ ክልተ ምስተገመዐ፡ ንጉሥ ቆስጦንጢኖስ ዝበሃል ሓድሽ ንጉስ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኤስያ ተቐልቀለሞ፡  "ኣብያተ ጣዖታት ይተዓጸዋ፡ኣብያተ ክርስትያናት ይከፈታ" ዝብል ካልእ ሓድሽ ኣዋጅ ከም ዝኣወጀ ይንገር። ብዛዕባ'ዚ ኣርእስቲ'ዚ ኣመልኪታ ቅድስት ቤተክርስቲያን ወትሩ በዚ ቅንያት'ዚ ትነግረና'ያ። ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ንጉሥ ቆስጦንጢኖስን፡ ምውዳቕን ምምቕቓልን ንግስነት ሮማን ንምትንታን ርእሱ ዝኸኣለ ሰፊሕ ኣርእስቲኳ እንተኾነ፡ ንጉሥ ቆስጠንጢኖስ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኤስያ ንግስነት ምስ ኣቖመ፡ ብስሙ "ቆስጠንጥንያ" እትበሃል ዓባይ ከተማ ሃኒጹ ናይ ክርስቲያናት ማእከል ከምዝገበራ ብዂሉ ናይ ታሪኽ ማዕከን ዝንገር ሓቂ'ዩ። ንሱ " ቤተክርስቲያናት ይተዓጸዋ፡ ቤተ ጣዖታት ይረሓዋ" ንዝብል ናይ ዲዮቅሊጥያኖስ ኣዋጅ፡ ብ "ቤተክርስቲያናት ይረሓዋ፡ ቤተጣዖታት ይተዓጸዋ" ብምባል ሓድሽ ኣዋጅ ዘረግሐ። 

ኣዋጅ ብኣዋጅ ተሳዕረ! 

ክሳብ ምምጻእ ንግስነት ቱርኪ ድማ፡ ንግስነት ቆስጠንጥንያ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኤስያ ክገዝእ ጸንሐ። በቲ ሽዑ እዋን ንንግስነት ቆስጠንጥንያ ዝቃወሙ ገለ ሒደት ኣካላት ስለዝነበሩ ግን፡ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታትን ኲናታዊ ርብርብን፡ ንከተማ ቆስጠንጥንያ ኣፍሪሲም ኣብ ቱርኪ ንግሥነት ሓዙ። ኲሉ ነገራት ድማ ከም በሓድሽ ተቐየረ። ቤተ-ክርስትያን ግን ሕጂውን ንናይ ቱርክን ስዒቦም ዝመጸ ሓይልን ተጽዕኖን ስዒራ ክሳብ ሕጂ ትነብር ኣላ።

በረኸተ ቅዱስ መስቀሉ ምስ ኲልና ይኹን፡ ካብ ሓጥያት ንእለየሉ ዘመን ከኣ ይግበረልና ኣሜን።

ሎቱ ስብሐት!

ምንጪ፦

ስብከት ቀሲስ ሕብረት የሽጥላ

Historical and acadamical book



søndag 29. august 2021

መንና ይንበር!

በስመ ሥላሴ!

ልክዕ ሰዓት 12፥00፡ ስራሕ ጸኒሐ ብብሽግሌታ እንናሓለፍኩ'ዩ። ኣብ ዓድና ኴንካ ክትሓስቦ፡ ህሮርማ ጽሓይ ስለዝኾነ፡ ጓሳ ኣመት ከርሱ ክገብር፡ መቋሰዪ ጣዕሞት ተረኸበ ኢሉ ዝለሓዃ ገረዲቱ ዘቋምተሉ ሰዓት'ዩ ዝኸውን ዘሎ መስለኒ፡፡ ከምኡ'ውን ጤል ጠጠማ ገዲፋ ናብ ጽላላ፡ ሓረስታይ ዕርፉ ኣወንዚፉ ናብ ዕረፍቱ፡ ኮታ ኲቱ ከይተረፈ'ኳ ምዂትኳት ዘቋርጸሉ ሰዓት'ዩ፡ ሰዓት 12፡00።

ኣነ ናይ ንግሆ ስራሐ ውዒለ፡ ሰራሕተኛ ሞኒባለ መሲለ ናብ'ዛ ጣዕሞት ዝርከበላ ቤተይ ገጸይ ይህደድ፡፡ ብማእከል ከተማ ክሪስቲያንሳምድ ሰንጢቐ ይሓልፍ ኣለኹ። ዳርጋ ንደቂ ዓድናስ፡ ጻዕዳ-ጋወን ዝገበረ ነዳቓይ መሲለ ምተረኣኽዎም ይመስለኒ። ኣቤት በዓል፡ መዳ፡ በዓል ኣብርሃም ኣይረኣዩ!  ብፍላይ ኣያ ጎይተኦም ዝበሃል ነይሩ ናይ ተሰነይ ነዳቓይ፡ ብሽግሌታይ ቅምጥ ኢለ ንዕኡ መምሰለትኒ ነይራ። ኣብ ማእከል ከተማ ክሪስቲያን ሳንድ፡ ዶም-ሺርከ ዝበሃል ብ1883 ዓ.ም ተጀሚሩ ብ1884 ተነዲቑ ዝተዛዘመ፡ ክሳብ ሕጂ ካብቶም ኣለዉ ዝበሃሉ ጥንታውያን ሕንጻታት ክርስቲያንሳንድ ብማዕዶ ዝረአ ናይ ኖርወያውያን ሕንጻ ቤተ-ክርስቲያን ኣሎ። ኣብ ክልሉ ማለት ኣብ ሕምብርቲ'ታ ከተማ ስለዝኾነ፡ ሕዝባዊ ቤት-ንባብ፡ ደዃኲን፡ እንዳክዳውንቲ፡ እንዳባራትን  ዝተፈላለየ ሕብረ-ብዙሕ ኣገልግሎት ዝምጥዉ ሕንጻታትን ይረኣዩኻ። ኣብኡ ማለት ኣብቲ ሰንተር፡ ብዙዕ ዓይነት ጓይላታት'ዩ ዝካየድ። በቲ ከባቢ እንተሓሊፍካ፡ መን ይኹን መን ብዘየገድስ፡ ሰብ ተቛሪጽዎ ኣይፈልጥን'ዩ። ሓደ ምሸት ምስ ሓደ ኣዝየ ዝፈትዎ ዓርከይ ብእኡ  መግቢ ሒዝና ዘወርወር ክንብል በቲ ጎደና ሓሊፍናስ፡ "በጃኻ ቀልጢፍና ንኺድ፡ እዚ ከባቢ መውዓሊ ሰኽራማት'ዩሞ፡ ኮፍ ኣይንበል!" ክብለኒ ይዝከረኒ። ሓቁ'ዩ፡ ቊምነገር ዝገብር ሰብ ኣብኡ ኮፍ ዝብል ኣይመስለካን'ዩ። ግን ከኣ ኲሎም ኣብኡ ኮፍ ዝብሉን ብእኡ ዝሓልፉን ጢኖታት ኢዮም ማለት ከኣ ኣይኮነን። ክንደይ ወረጃታት ከምዘለዉ ዝዘንጋዕክዎ ኣይኮንኩን።

እዚ ከባቢ እንተላይ መአንገዲ ናይ ብዙሕ ዓይነት ዳንኬራታት ምዃኑ፡ ኲሉ ተቐማጢ ክርስቲያንሳንድ ይፈልጥ። ኣብ ጎድኒ'ቲ ቤተ-ክርስቲያን ዘይግበር ተጋብሮ የለን።ብፉሉይ፡ ኣብዚ ዓመት'ዚ ቀልቢ ዝስሕብ ነገር እንተሃልዩ፡ ባንዴራ ግብረ-ሰዶም ብዓብይ ኣርማ ኣብታ ኣፍደገ ቤተክርስቲያን ምስ ሓወልቱ ተተኺሉ ምህላዉ'ዩ። ስለምንታይ'ዮም ነዚ ቦታ መሪጾሞ፡ኣነ ይግምት እምበር፡እንድዒ ኣይፈልጥን'የ፡፡ ግምተይ ግን ንውሽጠይ ይዂኖ። ባንዴራን ኣርማን ግብረሰዶማውያን ዳርጋ ብውገዒ ናብ ዓለም ካብ ትዝርጋሕ፡ ዕድመ እናደፈአት ትኸይድ ኣላ። ብስማ ሕስር ዝበለ ክዳውንትን ኣቕሓ ንብረትን ክሽየጥን ክልወጥን ንርኢ ኣለና። ወይ ጉድ!  ኣብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ መቸስ፡ "ቅናት ኣደይ-ማርያም" ተባሂላ ዓብይ ክብሪ'ዩ ዝወሃባ። እንታይሞ ስማ'ዶ ሒዞም መጽዮም። "ገም-ገም ኣይተብል፡ ገም ዘብለካ ረአ" ይብል ወዲ ገልዓንቴት። "ኲሉ ሕማቕሲ ለካ ሕማቕ ስም ነይመርጽ" ድዩ ዝበሃል።  ናብ ክርስቲያንሳንድ እንተመጺኹም፡ ግብረ-ሶዶማውያን ነዛ ሸውዓተ ሕብርታት ዘለዋ ቅናት ኣደይ ማርያም፡ ባንዴረኦም ገይሮም ከይኣክል፡ መእተውን መውጽእን መታን ክትኮውን፡ ኣብታ ኣፍደገ'ታ ቤተክርስቲያን ኣምቢሮማ ኣለዉ። ኦይ ወረግ ኣይትደልይዎን ኣይትምጽኡ። እምበርከስ ክትኣቱ ይኹን ክትወጽእ ወይ በአኣ፡ ወይ ተዃሊልካ'ዩ መሕለፊ ። 

ሎም መዓልቲ ቀትሪ ሰዓት 12፡00፡ ከቢድ ጫውጫታ ተዓዚበ። በቲ ሓደ ወገን እቶም ወገናት ናይታ ቤተ-ክርስቲያን፡ በቲ ካልእ ድማ ወገናት ናይቶም ግብረ-ሶዶማውያን፡ "ኣነ ይስዕር ኣነባ ይበልጽ" ዝብሉ እንክመስሉ ብጻዕቂ ህዝቢ መሕለፊ ዝበሃል ኣይነበረቶምን። ጽቕጥ-ቅጥ'ዩ በቃ። ከምዝመስለኒ ክልቲኦም ፌስታ ድዩ ቴስታ ኣይፈልጥን፡ እቲኦም ባንዲ ገይሮም ህር-ህር ይብሉ፡፡ እቲኦም ድማ ብደወል ቤተ-ክርስቲያን  ዊው-ዊው ከብሉ፡ ፍሉይ ህልኽ ኣንቢበ። ክሓልፍ እንከለኹ፡ እዝነይ ንመኖም ክሰምዕ ዝሰሰዐ እንክመስል ናብዝን ናብትን ክብል ዕጭ-ሓንፊፉ ኣብዩኒ'ዩ። ኣዕይንተይ'ውን ከምኡ ነየኖት ክርኢ ሕውዝውዝ ኢልዎ፡ ዳርጋ እንቋዕ ስራሐይ ኣይረሳዕኩ'ዩ ዘብል። ሸግሌታይ ጽርግያ ምርጋጽ ዝነበረ ልማዳ፡ ዘዘሊላ ናብ ሰብ፡ ዘዘሊላ ናብቲ እኩም ህዝቢ ክትብል፡ ኣነን ንሳን'ውን ተቘራቊስና ኢና። 

ቊርቊስ'ዩ በቃ!

እወ። ከምዝመስለኒ፡ እቶም ሕዝቢ ብደጌኦም ደኣ ኣይንበብን እምበር፡ ከቢድ ክርክራዊ ቀውሲ ከምዝነበሮምሲ፡ ስምዒታቶም ደርጒሑ'ዩ ዝነግረካ። ዘመኑ ለካ ጋዶ'ዩ። ዓለምና ካብ ክርክርን ውድድርን የዕሪፋ ኣይትፈልጥን። "ሰብ ንሰብ ክስዕር ክብል መቓብር የርክቦ ኣሎ" 'ዩ ነገሩ። ኣንቱም ሰባት፡ መቓብር ከይቀበረና እንከሎ እንዶ ግዳ፡ ሓውና ብሕይወቱ ከሎ ኣይንቕበሮ። ንምንታይ'ዩ ግን ሰብ፡ ንሰብ ክነብር ኢሉ ዘይንሕፎ፧ ስለምንታይ'ዩ ሰብ፡ ንሰብ ከምድላዩ ክኸውን ዘይፈቕደሉ፧ ሓደ ቆልዓስ ንወለዱ፥ "ስለምንታይ ብዘይፍቓደይ ወሊድኩምኒ፧" ኢሉ ኣዋጠሮም ድዩ ዝበሃል። እሞ ክንውለድ እንከለና እኳ ክንመርጽን ከይክንመርጽን ዕድል ዘይነበረናስ፡ ስለምንታይ ዕድል ካልኦት ወሲድና ዕድልና ከነልብሶም ህርድግ ንብል፧ እንተኸኣልናስ፡ ከምቲ ነብሪ ንነብሪ፡ ኣንበሳ ንኣንበሳ፡ ህበይ ንህበይ ዝሓልየሉ'ሞ፡ መግበ-ስጋ ዝለጋገሱ፡ ሰብኣውነትና'ውን ንሰብ ክንምንጥል ዘይኮነስ ክንሕግዝ'ዩ ዝግድደናሞ፡ ዘይንለዋዋህ ግዳ፡። ኣይከኣልናን ግን ስለምንታይ ሰብ እንከለናስ፡ ንሰብ ንህልኾ፧ ንሰብ ንንገሮ፡ ተኣበየ ግን መከራ ይምከሮ።

ኣየ ሰብ ምድሪ ብገፋሓስ፡ ባዕሉ ኣጻቢብዋ። እምበር ምምባር ደኣ፡ ኣብ ማሕጸን'ውንኮ ይንበር'ዩ። እግዚአብሔር ፈጣሪ ኲሉ ፍጥረት'ዩሞ፡ ንዂልና ሰባት ብዓይኒ ርህራሄኡ ይጠምተና።

ሎቱ ስብሐት ኣሜን!

torsdag 15. juli 2021

ቃለ-መሕተት ምስ ሓንቲ ቀልሃ፡ 2ይ ክፋል

 በስመ ሥላሴ ይቀጠቀጥ ከይሲ!

ሓንቲ ዝወደቐት ቀልሃ፡ ብክፉት ልቢ፡ ኣብ ሰባትን ኣተሓሳስባኦምን፡ ንብረቶምን ባህሎምን ሃይማኖቶምን፡ ኮታ ኣብ ኲሉ ሕድሕዳዊ መዳያት፡ ዝገበረቶን እትገብሮን ዕንወት፡ ከይሓብአት ብመልክዕ ቃለ መሕተት ዝሃበቶ ሓበሬታ እነሆ 2ይ ክፋል ይቕጽል።


  • ሓታቲ
‌ኣብ ንግዲ ዓለም'ውን እጃም ኣለኪ ኢኺ ትመስሊሞ፡ 'ሰባት ኣብ ንግዲ ክሳብ ክንደይ ቈላሕታ ይገብሩለይ' ትብሊ፧
...2ይ ክፋል ቕጽል.....

  • ‌ቀልሃ፦
ኣብ ንግዲ ደኣ እንታይ ኢልካልሉ፡ ግድን ይገብሩለይን ፈረቓን እምበር። ትፈልጥ እተዄንካ፡ ኣዝዩ ክቡርን ኣኽሳቢ እቶት‌ን ኮይኑ'ዩ ቆላሕታ ዝግበረለይ፡፡ ድማ እንኮ ብመንግስታውያን ትካላት ጥራይ ዝውነንን ናይ ንግዲ ፍርያት፡ ኣጽዋር'ዩ። ምላልባሽ ሽሮን በርበረን ኣብ ኖርማል ዕዳጋ፡ ብገብራይ-ቀፍታይ ክሽየጥን ክዕደግን ስለእትርእዮ፡ ንግዲ ኣጽዋር ከምኡ ጔርካ ዝረአ ኣይኮነን። መራሕቲ ሃገራት ምስ መራሕቲ ሃገራት፡ ወይ'ውን ኣንቀሳቐስቲ ዉድባት ምስ ኣንቀሳቐስቲ ውድባት ዘካይድዎ ንግዲ ስለዝኾነ፡ ብቐሊል ዘይጥመት'ዩ  ንግዲ ናይ ቀልሃ። ድማ ዓቕምን ብቕዓትን ናይ ሓንቲ ሃገር ከም መምዘኒ ዝጥቀምሉ፡ ንወተሃደራዊ መዳይ ምትርናዕ ስለዝኾነ፡ ምውናን ኣጽዋር፡ ልዕሊ ብሩርን ወርቅን ዓቢ ቦታ እዩ ዝወሃቦ።

  • ‌ሓታቲ፦
ሕቶይ ብዕምቈት ክረአ ስለዝደለኹ፡ ናብ ኣፍሪቃን ንኣፍሪቃ ዝመስላ ሃገራትን ክመልሰኪ። ዝበዝሑ ሓቅታት ከምዝሕብርዎ መቸስ ኣጽዋር ኣብ ኣፍሪቃ ኣይፈርን'ዩ፡፡ እትዕድግ እምበር እተፍሪ ሃገር'ውን ኣይረኣናን። ኣጽዋራተን በብተናጸል እንተፈቲሽካዮ፡ Made in Africa ዝብል ፈ‌ጺምካ ኣይትረኽበሉን ኢኻ። ምላልባሽ ተዃዒቱ ብሕሱር ዝሽየጥ ጥረ ማዕድናት ተዘይኴኑ ጥር ትብል ትፈሪ ቀልሃ የብለንን። እተን ኣፍረይቲ ኢልኪ ዝጠቐስክየን ሃገራት ግን፡ ከመይ ርግጸኛታት ኴነን፡ ማዕረ ብቢልዮናት ቶናት ዝኣክል ኣጽዋር ኣፍርየን፡ ክሸጣን ክኸስባን ይኽእላ ትብሊ፧ እሞ ድማ ብምቕታል መሳኪን ሰባት ከመይ ከም ዓቢ መኽሰብ ኴኑ ይረኣየን፧

  • ‌ቀልሃ፦
እወ፡ ኣሽንኳንዶ ኣፍሪቃን መሰልታን፡ ማዕረ ታንክታትን ኣየራትን ድሮንን ዝኣክል ፍርያት ከፍርያሲ፡ ነዛ ንጽል ዓረር ዘንቀሳቕስ ሓንቲ ግራም ባሩድኳ፡ ከቃምም ዝኽእል ከሚካላዊ ኢንዳስትሪ የለን። እተን ነሓድሕደን ዝወዳደራ ርእሰ-ሓያላት ሃገራትን ኣፍረይቲ ኣጽዋርን ግን፡ ቅድሚ ዝኣገረ ዕላመአን ከመይ ኢልካ ገንዘብን ዝናን ትኣሪ እምበር፡ ሰብ ብመቕሰፍቲ ክእረ እንከሎ ፈጺሙ ዘገድሰን ኣይኮነን።ስለዚ ኣጽዋር ክሽየጥ እንተኾይኑ፡ ተጻይ ሰሊብካ፡ ኣብ መንጎ ሕዝብታትን መንግስታትን፡ ስግኣት፡ ባእሲ ራዕዲ ክህሉ ንምግባር ከም ምዕራፍ ሓደ ኢለን ይሰርዐኦ። ማለት ዕዳገአን ተራሕዩ ኣጽዋር ምሻጥ ክኽእላ 'ተኾይነን፡ ከመይ ኢሉ ኣብ መንጎ መንግስታት ጋግ ይፍጠር ክዓዪያ ኣለወን። ኣብዚ ኲነት'ዚ፡ ፍርሃተ-እግዚአብሔር ዝበሃል ኣምር፡ ንዐአን ዝምከት ገይረን ኣይሓስበኦን'የ። ነዚ፡ ጋግ'ዚ ዝህንድሱ ኣካላት ከኣ የመልምላ። ምንቛት ዝብል ርእሱ ዝኸኣለ ዓውደ ትምህርቲ ብመደብ ኣምሂረን የመርቓሞ፡ ብምስጢር ናይ ሕንፍሽፍሽ ክኢላታት ገይረን ይልእኸኦም...

  • ‌ሓታቲ፦
እዛ ኣተናትና ዝመሰጠት ትመስል ኣላ፡ ግን ምላልባሽ ንተዓዘብቲ ህውተታ ከይትመስልሲ፡ እንታይ ጭብጥታት ከተቕርቢ ትኽእሊ፧

  • ‌ቀልሃ፦
ናይ ምንታይ ጭብጢ ኢኻ ደሊኻ፧ ዘተፋንኑ ሓይልታት ተመልሚሎም ብምስጢር ዝለኣኹ ኣካላት ከምዘለዉ ክጠቅስ ዲኻ ደሊኻኒ ወይሲ...፧

  • ሓታቲ፦
‌እወ! ማለት፡ እዚ ንመዋእላት ኣብ መንጎ ሃገራት ዝኽሰት ዘሎን ዝነበረን ግጭትሲ፡ ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ከመይ ኢልና ብድፍረት፡ 'ብናይ ምስጢር ናይ ደገ ሓይልታት ዝተሃንደሰ'ዩ' ክንብል ንኽእል፧ 

  • ‌ቀልሃ፦
ድሓን እቲ መርትዖ፡ ሰባት ቈቈንጪልካ ምጥቃስሞ ይጽንውሓልና፡ ንግጭት ዘሳውሩን ፍልልያት ንምግፋሕ ዝጽዕቱን ኣካላት ተዘይህልዉስ፡ ከመይ'ሉ ኣጽዋር ባዕዳውያን ኣብዘይፈረየሉ ቦታ፡ ኣብ መዓላ ንምውዓል ክህንደድ ይረአ፧ ኢልካ ምሕሳብ ቅልል ይብል። ማለት 'ዝሽየጥ ኣጽዋር ኣለናሞ ዓድጉልና'፡ ምባል፡ በዓል ዕዳጋ ከይሃለወ፡ ናብ ዘይትፈልጦን ምቅርራብ ናብ ዘይነበረካን ኣካል ኴትካ ከምዚ ከምቲ ዓጽዋር ግዝኡለይ ንምባል ክድፈር ዝከኣል ኣይኮነን። እቶም ኣጽዋር ዘፍርዩ ኣካላት ግን፡ ኣቐዲሞም  ዲፕሎማሲ ብዝብል ሸፈጥ፡ ንጒዳያቶም፡ ውሽጦምን ውሻጠኦምን ናይቶም ተራጸምቲ ኳልኲሌት ገይረሞ ስለዝጸንሑ...

‌ሓታቲ፦
ኣብነት እምበር ደልየ ነይረ! ዝያዳ ብሩህ ክኸውን እንዶ፡ ገለ-ገለ ናይ ምጥቛስ ሰለልቲ ጥቐስለይ።

  • ‌ቀልሃ፦
ደሓን ኣይትተሃወኽ፡ ቊሩብ ተዓገሰኒ። ከምቲ ዝበልኲኻ፡ ኣቐዲመን ብምስጢር ንክልተ መንግስታት ኣብ ተተፋነን ከእትወኦም ይጸንሓሞ፡ 'እገለ ከምዚ ዓይነት ኣጽዋር ስለዘለዎ ከይበልጸካ፡ ከምዚ ይብልኹም ኣለዉ፡ ንኸምዚ ዕላማ ይዳለዉ ኣለዉ፡ ብሕሱር ኣጽዋር ክንሸጠልካ፡ ዋላ ብልቓሕሞ ግዝእዎ ጸኒሕኩም ማዕድንኩም ሸጥኩም ትኸፍሉና...' እናበላ ይሽፍጣኦም። ድኻታት መንግስታት ድማ፡ ጉዳይ ድኽነቶምን ከመይ ኢልካ ብሰላም ምስ ጎረባብቶም ይንበርን ምሕሳብ ኣቋሪጾም፡ ብናይ ካልእ ኣጀንዳ ይቚረኑ። ዘለዎም ማዕድናት ጐጓሕጒሖም ብምሕራጅ ከኣ፡ ህዝቦምን መንግስቶምን ጸገሙ ከይተቐርፈ፡ ዘይተፈተነ ኣጽዋራት ብምግዛእ፡ ከይተረድኦም ጁባ ሓያላን ሃገራት ንምህጣር ይዓዩ። ንኣብነት ክብለካሲ፡ ንሓንቲ ጥይት፡ 0.25 ዶላር፡ ንሓንቲ ታንኪ ከኣ 7 ሚልዮን ዶላር እንተኾይኑ ሕስብ ኣብሎ። ሓደ ንጽል ወተሃደር'ውን ብውሕዱ ቀዋሚ ክሳብ 200 ጠያዪት ከድልዮ'ዩ። ጥይት በይኑ ስለዘይሰርሕ ድማ፡ በብዓይነቱ ከላሽናት፡ ከበድቲ ድሩዓት ኣጽዋራትን ምስ ወተሃደራዊ ልብስን ከድልዮ'ዩ። ኣብ ርእሲኡ ቀለብን ንዕኡ ተባሂሉ ዝስላዕ መሳለጥያታትን ኣብ ግምት የእቲኻ፡ ሃብቲ ናይታ ሃገር ብምልኡ ተጋሒጡ ብኢደ-ዙር ናብተን ኣፍረይቲ ኣጽዋራት ዝበልኩኻ'ዩ ክኸይድ። መቸም ኣጽዋር ብጥርሑ ይዕደል'ዩ ክትብለኒ ኣይጽበይን'የ። ብጥርሑስ ሽሮ'ኳ ነይትረክብ። 
ኣብዚ መን'ዩ ከሳቢ፡ እንተ'ልካኒ ዓዳጊ ኣጽዋር ኣይኮነን፡፡ እቲ ኣፍርዩ ዝሸይጥ ዘሎ ኣካል'ዩ። ንሳቶም እቶም ኣፍረይቲ ኣጽዋር፡ ብዂልንትናዊ ዕብየት ናይ ምዕባለ፡ ሃብቲ፡ ስልጣነ ብዘይመጠን ክዓብዩ እንከለዉ፡ እቶም ሃብቶም ገጊሒጦም ኣጽዋራት ዝሽምቱ ድማ በንጻሩ፡ ሰቦም ንብረቶም ብምኽሳር፡ ምዕባለኦም ነናሻዕ ንድሕሪት ይጒተቱ።

  • ‌ሓታቲ፦
ጽቡቕ ትንታነ'ዩ..
  • ‌ቀልሃ፦
ጽንሓኒ፡ ብዛዕባ'ቶም ዝተፈላለየ ምኽንያታት እናበጥጐሉ፡ ኣብ መንጎ ሕዝብታትን መንግስታትን ፍልልያት ዝፍብርኹ ዝበልኩኻ፡ ገለ ኣብነት ክጠቕሰልካ'የ....
....3ይ ክፋል ቕጽል....

በምሕረቱ ያድሕነነ እመዓቱ፡ በእንተ ማርያም ወላዲቱ!


tirsdag 1. juni 2021

 ደላሊ ሰብ!

በስመ ሥላሴ! 
ኣደይ ሃንሱ ኲሊተን መሽሚሹ
ሰሚዐን ወደን ንወጻኢ ሒዝወን ጌሹ
ወጻኢ ምስ መጻ ብህጹጽ ኲሊት ከምጻ
ሓቢርወን'ዚ ጻዕዳ
ብተሎ ክዕድጋ

'ቲ ፈለማ ደንጺወን  ጣቋ  ድዩ ዕውንዋኖ
'ዚ ብህሎ ኴንወን ስውንዋኖ
ዳሕራዩ ግን'ለካ  ተሰዊጥወን
ዕዳጋ-ሰብ ብደላሎ ከም ዘሎ
እቲ ኣብ ጎዶቦ ዝዕለሎ ኲሉ ተቐጅልወን
መማጽኢ ዓደቦ ደሊሉ ዘዋሰበን
ብቅዱስ መውስቦ ዘምሰለን
ሕጂ ንብዓት ዝሕለቦ 'ዚ ውሽጠን
ምስ ደላሎ ኰላሊት ክራኸብ'ዚ ወደን
ክሕልናአን ከመይ'ሉ ይኾነለን

"ደላሊ'ና ደለለ
'ይሰርሕ ኣለኹ!' በለ
ሰብ ሸይጡ ኣካል ሰብ'ና ኣጒደለ
ንኲናት ወጢጡ ጀዓዮ'ና 'በለ
ኣጽዋር ኣሻይጡ ሰብ'ና ኣቕተለ
' ኣስርሑኒ!
 ብሞያይ ኣይትምጹኒ' በለ
እናተባህለ ዝዕለሎስ ለካ ፍጻሜኡ'ነሀለ"

ኢለን ኣስቈርቈራ ፈጣሪኤን'ና ዘከራ
ዓመታት ብዘይ ቋቊራ ካብ ነበራ
ሕጅስ ምስ ሞት ደኣ እቋጸራ
እምበር ኲሊት መን ከየንቊራ 

ወደን'ውን ነጊርወን ካልእ'ና ወሰኸ
ለካ ንሱ ብንእሱ
ምስ ደላሎ ፖሎቲካ ከምዘዓረኸ
ታሪኽ'ቲ  ውዕሎ ሕይወት ሰብ ዝደሃኸ
ንዂሉ ብጥቕልሉ ተንቲለን እናስካሕከሐ

ብዛዕባ'ቶም ዝሽየጡ ዝሻየጡ
'ቶም ንዮ ዝዂየጡ ኣፍረይቲ ጠበናጁ
ብዛዕባ'ቶም ታንክታት ቢኤማት ዝሕርጁ
ብዛዕባ'ቶም ሃንደስቲ ውግእ ጁባኦም ዘርጒዱ
ፍርያቶም ንምሻጥ የእሚኖም ኲናት ዘእውጁ
ብዛዕባ'ቶም ንሽጉጥ ብሰብ ዝለዋወጡ
ዓይነቱ ዕዳጋ ደላሎ 
ብዙሕ ምዃኑ ነጊርወን ወደን ነቲ ዝወዓሎ
ወደን ዓርኪ ደላሎ!

ዝበዝሑ ተደለልቲ ተገሪሆም ከይፈለጡ
ኣብ ዕዳጋ ከም ናውቲ ይዕደጉ ይህንቈጡ
ተኾይንሎም ብዳንጋ ካብ ዕዳጋ የምልጡ
ወይ'ውን በኣጋ ሰልዲ ዋጋ ስጋ ይሸማጥጡ
መለኸት ይነፍሑ ንዂሉ ከስምዑ
ኣካሎም ብምጅልሑ ንሰማዒ 'ና ኣሰክሑ
ደም 'ናነብዑ ዘመዶም ይኲሕኲሑ

"በጃኹም ዘመድ-ሰብ
ሰብ ይበልጸኩም ካብ ገንዘብ
ጥሪትኩም ለግሱ
ብፈጣሪ ኣብ ላዕሊ ክትከሓሱ!"
እናሉ ብዕሊ ደም ምስ ንብዓት'ናኸስከሱ
ካብ መቚሕ ደላሊ ሕይወቶም የውሕሱ

'ተዘይኮነሎም ግን!
ደሞም ተተኸስኪሱ ትሓልፍ ሕይወቶም ብተሎ
ኲሊቶም ተተበንጢሱ ይሽየጥ ብደላሎ
ንበዓል ኣደይ ሃንሱ ዝመስሉ 
ድማ እርጋኖም ከንእሱ
ምስ ደላሊ ክወዓዓሉ
ይዕድግዎ ድሪሞም'ና ኸፈሉ
ደላሊ ሰብ!

mandag 17. mai 2021

ሕሜታ ዝወልዶ ጉድ

በስመ ሥላሴ!

 ብፈረንጂ 17.05.2016 ተጽሕፈ

ኣብ ሓደ ቦታ'ዩ። ባርቤሪ ኣዳልዩ ንብዙሕ ግዜ ናይ ጸግሪ ምስትኽኻል ልምዲ ዝነበሮን፡ሰሰሪሑ ምግበ እቶቱ ዘእቱን ብዛዕባ ዝነበረ ዛንታ ሓደ ቀምቃሚ  ከካፍለኩም። ፍሉይ ሜላ ናይ መስሕብ ዓማዊሉ ዘገርም'ዩ። ክቕምቅም ከሎ ብዙሕ ዝተፈላለየ ሕሜታ እንዳ ኣምጸ'ዩ ንነፍሲ-ወከፍ ተቐምቃማይ ከምዝዘናጋዕን፡ካብ ትኽስተ-ምስልቻው ከምዝገላገሉን ዝገብሮም ነይሩ። 'ሕሜታዶ ካብ ትኽስ የድሕን ኢዩ፡ሕሜታዶኸ ዓማዊል ከምዝውሕዙ ይገብር'ዩ፧' ዝብል ምጉት ይመጻኩም ይኾውን ኢዩ። ኣነውን ከማኹም እዚ ክትዕዚ ምስ ነብሰይ ብዙሕ ግዜ ወሪደ ደይበሉ ኢየ።

ክገርመኩም ግን ብዙሓት ቀምቃሞን ቈናኖን፡ ዓማዊል ብኸምኡ ዝመጹ ዝመስሎም ኣይሰኣኑን ይኾኑ።  'እዋይ ዕላሉ ክጥዕም' ተባሂሎም ብዓይኒ ብዙሓት መታን ክበሃጉ፡ 'ዓማዊል ቶስ ቶስ ከብል ዝኽእል  ሕሜታ ምስትነግር ጥራይ'ዩ' ዝብል እምነት ዘለዎም ኣብዛ ዓለምና ኣበይ ከሰኣኑ! ብዙሓት ቆናኖውን ከምኡ። 'ኢድ ይባረኽ፡ ክንደይ ትቑንን ጓለይ፡'  ተባሂለን መታን ክነኣዳሞ፡ እቶተተን ክኽዕብት በበይኑ ዓይነት ሕሜታ እንዳምጻኣ ናይ ምሕማይ ተመኩሮ ዘለወን ኣይሰኣናን ይኾና። ብኻልእ ገጽውን ካባይ ጀሚርካ ብዙሓት ኣይሰኣኑን፡- 'ጡዑም ዕላሉ' ተብሂሉ መታን  ክንገረሎም ንሕሜታ ዘይስልክዩ። 'ኣነ ጥራይ ክዛረብ ኩሉ ሰብ ግርምም ኢልዎ ክሰምዓኒሲ ክሓሚ ኣሎኒ ኢሉ፡ድግዲጊት ተዓጢቑ ንምሕማይ ዝተዋፈረ ሰብ ዓለምና የዕለቕሊቕዋ ኣሎ። 'ቲ ቀድምሲ ሕሜታ መብዛሕትኡ ግዜ ንደቀንስትዮ ኢዩ ዝወሃብ ነይሩ ክበሃል ይሰምዕ'የ፡፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ወይ ቀብሪ ከይተረፈ ብልሳነን ምሕማይ ዕድል እንተተሳኢኑወን፡ እንዳረምጠጣ ውሽጣዊ ድሌታተን ሕሜታ ምኻኑ ዘግህዳ ኣንስቲ ጥራይ ከምዝነበራ ይዝንቶ ኢዩ። ሎም-ሎም ግን ወዮ ምሕማይ ኣንፈቱ ዝቐየረ ይመስል።

ለካ ሕሜታስ ብምዝራብ ጥራይ ዘይኮነ ብምርምጣጥ'ውን ይሕመ ኢዩባ፡፡ ከናፍር ብምርምጣጥ ጥራይ ዘይኮነ ድማ ብሕልና ከኣ ይሕመ ኢዩ፡፡ ሰብ ኣፉ ከይተዛረበ ብልቢ ክሓሚ ይኽእል ኢዩ።እዚ ኲሉ ግን ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ቅቡል ዘይምዃኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ዘይኮነስ ሕልና ሰብውን ዝምስክሮ ሓቂ'ዩ። ሕሜታ "ኣብተን ዳሕረዎት ዘመናት ብብዝሒ ክረኣዩ ኢዮም፡" ተብሂሉ ብትንቢት ካብ ዝተነግረሎም ሓጣውእ ሓደ' ዩ፡፡ ክንሓሚ ከምዘይብልና ጥራይ ዘይኮነ ድማ፡ ዋላ ምስ ዝሓምዩ ሰባትኳ ኮፍ ኢልና ክንሰምዖም ግቡእ ዘይምዃኑ ቅዱስ ጳውሎስ ኮለገና ይነግር።(1ጢሞ3፥1-5 ተመልከት) ደቂ ሰባት ግን፡ ካባይ ጀሚርካ እንዳሰማዕና ኣይሰማዕናን።

 ክቡራት ኣንባቦ፡ 'እንታይ'ዩ ክብለና ደልዩ' ትብሉ ትህልዉ ኢኹም፡፡ብፍላይ ቀምቃሞን ቆናኖን፡፡ ኣንፈት ጽሑፈይ እንተላይ ንዓይ ዘካተተ ምዃኑ  ኣቐዲመ ክፍለጠለይ ይደሊ። 

እዚ ብዛዕብኡ ኣቐዲመ ክትርኸልኩም ዝጀመርኩ ቀምቃማይ፡ ዳርጋ መብዛሕትኦም ዓማዊሉ በቲ ንሱ ዝህቦም ዝነበረ በበይኑ ዓይነታት ሕሜታታት ተሳሒቦም ኢዮም ዝመጹ ነይሮም። እምበር ናይ ምቕምቃም ጥበቡ ስለዝሰሓቦም ኣይኮነን። እምበኣር ሕሜታ ናበይ ከምዘውድቕ ንመልከት፥-

ቀምቃማይ ከምልማዱ፡ ንሓደ ተቐምቃማይ 'ጽብቕቲ ሕሜታ'ያ' ኢሉ ኣዳልዩዋ ዝወዓለ፡ ዳርጋ'ውን ሓንቲ ሕሜታ ምሉእ መዓልቲ ተውዕሎ ብምምባራ፡ " ከላእ፡ ኣነሲ ካብ ሎሚ ጀሚረ ኣምላኽ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን ኢየ!" ኢሉ ዕላል ጀመረሉ። ጽባሕ ከኣ ካልእ ሓዱሽ ዕላል'ዩ ከምጽእ። ድሕሪኡ ድማ ካልእ... እንዳበለ'ዩ ዓማዊሉ ዘእንግድ ነይሩ። ተቐምቃማይ ሃንደበት ስለዝኾኖ ሰምበደ፡፡ "እዋእ! እንታይ ትብል ወደይ፡እሂ ደኣ ከምኡ ኢልካ" በሎ ብኣግርሞት። " ረኣዮ እንዶ፡ኣምላኽ ተዝህሉስ፡ሰባት ንሰባት እሞ ድማ ንመሳኪን ከምዚ ገይሮም፡ከጋፍዕዎም፡ክቐትልዎም፡ክሓርድዎም! እረ ስቕ በል በጃኻ፡፡" መረረኡን ኣብ ኣምላኽ ዘለዎ ቅሬታን ደርጒሓሉ። ከም ኣነጋግርኡ፡ "ሓጢኣት እንዳተገብረ ስለምንታይ ኣምላኽ ስቕ ኢሉ ረኣየ" ንምባል'ዩ።

"እዚ ስጋ ኢልና ካብ ደዃኲን ዓዓዲግና ንበልዖ ዘለናውንኮ" ቀጸለ ቀምቃሚ፡፡ "ህ!"በለ ተቐምቃሚ ብትዂረት።

"መን ይፈልጥ ስጋ ሰብ ተኾነ፡፡ ናይ ሰብ ክፋእ ጥርዚ በጺሑ ንርኢ'ለና። ሰብ ነንሕድሕዱ ክተሓራረድ፡ ኣብ ሓዊ ንሰብ ዝኣክል ፍጡር ክጠብሶ፡ ከመይ ዝበለ ግፍዒ እንክፍጸም፡ ኣምላኽ እንተልዩሲ ስቕ ኢሉ ክርኢ ኢልካ ትሓስብ፧ እሞ በዚ ሎሚ ዘመን ደኣ፡ 'ንስጋ ሰብ፡ ስጋ በጊዕ'ዩ' ኢልካ ንምሻጥ መን ይኽልክሎ ንሰብ! ኣነ ብኡነት እዞም፡ ኩሎም ሸቃጦ ሰብ ደዃኲን፡ ዘለዎም ሃብቲ፡ ውጽኢቱ ካብቲ ክፋእ ተንኮሎም ዘዋሃለልዎ'ዩ፡' ናብ ዝብል ድምዳሜ  በጺሐ'የ፡፡ንሰብ ኲሊቱ ኣውጺኻ ምሻጥን ምዕዳግን ዘይተጸገመስ፡ ስጋ ሰብ ጥሒንካ፡ ኣብ መዐሸጊ ዓሺግካ፡ 'ጥሑን ስጋ በጊዕ'ዩ' ዝብል ጽሑፍ ለጢፍካ ምሻጥ እንታይ ከይእግሞ ኢልካዮ ንሰብ። ኣምላኽ ተዝህሉስ በል ነዚ እንዳረኣየ ከመይ'ሉ ስቕ ኢሉ ይርኢ ኣምላኽ።" 

ቀምቃማይ ነዛ ዘረባ ምሉእ መዓልቲ መምስዝመጹ ዓማዊል ክጥቀመላ ስለዝወዓለ፡ ሓደ ሰብኳ ዝቃወሞ ኣይረኸበን ነይሩ፡፡በንጻሩ ደኣ  "እዋእ! ሓቅኻ፡ ወረ እንዳእገለሲ ከምዚ ከምቲ'ዮም ዝገብሩ" ብምባል ነቲ ሕሜታኡ 'መማቕርቲ' ኢሎም ዝሓሰብዎ እምበሺ ግን ኣብ ርእሲ'ቲ ዝነበረ ዕረነቱ መሊሱ መምረሪ ይውስኽሉ ።

እዚ ናይ ሕጂ ተቐምቃማይ ግን ኣጋጣሚ ናይ ሃይማኖት ሰብ ኮይኑ ስለዝጸነሐ፡ ብውሽጡ ብዙሓት ሓሳባት እንዳዋህለለ ኣዕጋቢ መልሲ ንምርካብ ምስ ፈጣሪኡ ይዘራረብ ነይሩ እምበር፡ ምስቲ ሓማዪ ብእዝኑን ብልሳኑን ኣይሓመየን።

ብእዝንኻ'ውንባ  ይሕመ'ዩ።

ብፍላይ እታ "ደፊሩ ኣምላኽ የለን" ንምባል ምኽንያት ዝተጠቀመላ ሓሳብ ጥርቅውቲ መልሲ ከምጽኣሉ ነይርዎ። እዚኣ ንፈጣሪኡ ዝሓመየላ ዓባይን መዋድርቲ ዘይብላን ሕሜታ ሳዕቤና ከባድ ምዃና ከረድኦ ብዙሕ ሓሰበ። 

ወይ ጉድ! ኣምላኽ ዕጉስ ኴኑ'ምበር፡ ሰብሲባ ንፈጣሪ'ውን ክሓምዮ ኣይጽግሞን'ዩ! 

ቀምቃማይ ይሓሚ፡ ተቐምቃሚ ከኣ ጸጥ ኢሉ ሓሳባቱ ምስ እግዚአብሔሩ የሰላስል።

ኣብ መወዳእታ ተቐምቃሚ ተቐምቂሙ ምስ ወደአ፡ በቲ ጎደና  ብዙሓት ዝግፍ-ግፍ ዝበሉ ሰባት ክሓልፉ ረኣየ፡፡ ሽዑ  ርእሱ ምስቲ መስትያት እንዳኣነጻጸረ፡ ኣነሲ ኣብዛ ዓለም ቀምቃሞ ዝበሃሉ ብጭራስ የለዉን ኢለ'የ ዝኣምን!" በለ።

"What! "

ወዮ ቀምቃማይ ኣብ ክንዲ ዘኾለስኩስ ኢደይ ተነኸስኩ ስለዝኾኖ፡

 "እዚ ኲሉ ጹቡቕ ገይረ ኰሓሒለካስ ቀምቃሞ የለዉን ኢልካ ዘረባ'ሎ! ኣነኸ ናበይ ከይደካ፧" መለሰ ቀምቃማይ። 

" ክላእ ቀምቃሞ ተዝህልዉ ደኣ ኣይትርእዮምን ድኻ ኣብ ጐደና ጸግሮም ዘንውሑ፡ዘጊፎም ዝቕምቅሞም ዝሰኣኑ ሰባት ነዛ ከተማ መሊኦማ፡፡ ቀምቃሞ ተዝህልዎስ'ታይ ኴኖም ዘይቅምቅምዎም!" ወዮ ቀምቃማይ ውሽጣዊ ቊጥዓ እንዳተሰመዖ፡-

"እሞ ስለዘይሞጹኒ እምበር ኣነኮ ኣብ መዓልቲ 100 ሰባት ክቕምቅም ዝኽእል ቀምቃሚ ኢየ።" ኢሉ ክእለቱ ብፍናን ዳሕደሐ። 

" ዓንተዎ ኣምላኽ የለን ዝበልካኒ'ውን፡ ኣብዛ ዓለም፡ ሰብ ናብ እምላኽ ምምጻእ ስለዝገደፎ'ዩምበር ኣምላኽ ዘየሎ ኴኑ ኣይኮነን። ኲሉ ሰብ ናብ እግዚአብሔር ተዝምለስ ሓጥያት ተዝሓድግ፡ንእግዚአብሔር ብእምነትን ብግብርን ተዝስዕብ፡ በረኸቱ ምፈሰሰ፡እዚ ኩሉ መቕጻቲ ከኣ ኣይምመጻናን ነይሩ። 

"እመ ኩሉ ፍጥረት ይዐቅብ እግዚአብሔር፡ ለኲሉ ዘኢያስተርአየ እመ ሰናየ ወእመ እኩየ።"  ትርጉሙ፡ 

"ኣምላኽ ብኹሉ ተግባራትና፡ሰናይ ኮነ እኩይ፡ተሓቢእና ብዝገበርናዮውን ከይተረፈ ክፈርደና ኢዩ።" መክ12፥14)" ኢሉ ደምደመ ተቐምቃሚ።

ወዮ ቀምቃማይ ብጽሞናን ተመስጦን ድሕሪ ምስማዕ፡ ንብዙሕ እዋን ምስ ሕልንኡ ምጉት እንዳፈጠረ ብዝረኣዮምን ብዝሰምዖምን ናይ ደቂ ሰባት ሓጣውእ ኣማኻንዩ፡ ህልውና እግዚአብሔር ክኽሕድ  ስለዝጸነሐ፡ ፈጣሪኡ ክሳብ ክንድዚ ዝዕገስ ኣምላኽ ምዃኑ እኹል መረዳእታ ቀሰመ። መገዱ ንምስትኽኻል ድማ ኣንፈቱ ናብ ፈጣሪ ክጽጋዕ ወሰነ።

'ኣምላኽ የለን' ኢሉ ዘውሪ ዝነበረ ሰብ ታሪኹ ክቕይር መረጸ፡፡ብንስሓ ተሓጺቡ፡ ስጋ-ወደሙ ተቐቢሉ፡ ምስ ፈጣሪ ተጣበቐ።

ለካ ክርስትናስ ከምዚ'ዩ! "ብዙሓት ቀዳሞት ዳሕረዎት፡ብዙሓት ዳሕረዎት ድማ ቀዳሞት ክኾኑ ኢዮም!" ድዩ ዝተባህለ።

 "ወገነይ ምላልባሽ 'ኣነ ኣብዚ ነይረ እንድየ' ኢልካ ትምክሓሉ መንፈሳዊ ግብሪ ይነብረካ ይኾውን። ንስኺ'ውን ፍቕርተይ፡ 'ክንድዚ ዓመታት ሰሪሐ እንድየ' ኢልኪ እትሕበንሉ ግብሪ ጽድቂ ይነብረኪ ይኾውን'ዩ፡፡ እንተኾነ ሕጂ'ውን ድሕሬና ዝመጹ ኣህዛብ ባዕልና ዝመሃርናዮም፥ ካባና ቅድስና ዝተማህሩ ክቕድሙና ዝኽእልሉ መድረኻት ብዙሕ ስለዝኾነ፡ ንባዕልና ንሕና ካብ ኲሉ ክፉእ ነገር ንርሓቕ። ድማ መጀመርያ ምስ እግዚአብሔር ክንነብርሞ ንጽዓር፡ ምስ ሰባት ከመይ ኢልካ ይንበር ንሱ እግዚአብሔር ክምህረና ኢዩ!"

ይብል ነበረ ሓደ ሰባኺ። 

ፈጣሪ ጥበቡን ምስትውዓሉን ይዓድለና።

ይትባረክ እግዚኣብሄር ኣምላክ ኣበዊነ፡ኪያነ ዘፈጠረ ከመናብልኮ።


torsdag 6. mai 2021

ቆርበት-ሰብ! 

ስመ ሥላሴ

ትኽ-ትንፋስ'የን ክልቲኤን መዛኑ

መንፍዓተን ሓደ ሚዛኑ

ቊመተን ሓደ ሕብረን ግን ነንበይኑ

መምህረን ሓደ'ዩ ብዓል ሓደ ዓይኑ

ጒድ'ዩ ከረድእ ንታሪኽ  ተንቲኑ

ስለ ቈርበት-ሰብ ይፈልጦ-ይፈላልጦ

ኣጥዕዩ ይትንትነለን ነናይ እን-እኑ


"ዕዳጋ ቀደም ነይሩ

ኲሉ ሰብ ክቀዳደም ነንሕብሩ

'ቲ ሓደ ክሽየጥ ተገቲሩ

ይውዕል ብሞቚሕ ተሓይሩ

'ቲ ሓደ ክሻየጥ  በብዲሉ

ብገንዘቡ ይረአ ሕልፊ ከቢሩ

ኲሎም ብሓደ ኣብ ሐደ

ኣብ ሓንቲ ጸሓይ ይውዕሉ

ኣብ ሓደ ዕዳጋ ጽቕጥቅጥ ይብሉ

ብሓንቲ ምድሪ ዝዕንገሉ

ብሓንቲ ደመና ዘጽልሉ

ብሓንቲ ሽያኽ ዝጠሉ

ክንሶም ይበዳደሉ


ነይሮም ግን ሓደ-ሓደ

'ድሪም ከቢሩ

ቆርበት ሰብ ሓሲሩ'

'ና'ሉ ዘማርሩ"


ኢሉ ዝመሃረን መምህረን ከጽንዓ

ኣብ ፈተናአን ከድምዓ

ናብ ቤተ መጽሓፍቲ ኣቕንዓ


ብከተማ ሕልፍ ክብላ


ሎሚ'ውን ለካ ኣሎ ዕዳጋ

ቆርበት-ሰብ ዝሽየጦ ብሪጋ

ኣብቲ ጽዑቕ ዕዳጋ

ከይተፈለጠን ተጸምዳ

ሕብሪ ሰብ ከም ወጠጦ ክዕድጋ

ይመርጻ ሜክ-ኣብ ይወስዳ


ኣብኡ ንሓንቲ ሰምዒዐንኣ

ምስኡ ምስቲኣ ከተማርር ብዕዳጋኣ

ጸሊም ሜክ-ኣብ ቀሪባስ ሓሲርዋ

ምሻጡ ኣብይዋ

ክትበኪ ርኤንኣ


"ዕዳጋይ ሓሚዱ

ቀቀይሑ ተለሚዱ

'ዚ ቆርበትና ብሓመዱ

እንታይ ጉዱ ንሓድሕዱ 

ጻዕዳ ድዩ ሕልፊ ረጒዱ

ወይሲ ቀይሕ'ዩ ጻዕድዩ

ደምና'ሞ ኲሉ ሓደ'ዩ

ግዝኡለይ'ባ ስለፈጣሪ

ድራረይ ክኣሪ"


ክትብል ሰሚዐን

ናይ መምህረን ዘዘኪረን

ብልበን ነቢዐን


ሽዑ ስለፍቕሪ ክብላ

ንሸቃጦ ብሓደ ክጠምራ

ምሕዝነተን ከይከስራ

ሓንቲአን ኣብቲ ሓደ

ሓዴአን ኣብዚ ሓደ

ሕብረ-ጸሊም ጻዕዳ

መሪጸን ክዕዳጋ 

ሎቱ ስብሐት!


mandag 3. mai 2021

'ታይ ኣብከየኪ፧

(ዮሐ 20፥12፡ 20፥15)

በስመ ሥላሴ

ኣንቲ ሰበይቲ
"ሓላዊ ኣታኽልቲ"
እናልኪ እትሓቲ
ስጋኡ ንርሁባን
ደሙ ንጽሙኣን
ቀዲሑ ዘስቲ
ዋናን ሓላውን ኣታኽልቲ
ንሱ'ዩ እነሀልኪ
ኣሻብኪኸ ብቤላ-ቤሎ ሰሓትኪ፧
ንምንታይባ ትማጎቲ፧

ንስኺዶ ኣይኮንክን ተኽሉ፧
'ሞ እነሀለኪ ባዕሉ
ባዕሉ ንገነት ዝተኸለ
ባዕሉ ንኣዳም ዘብቈለ
ባዕሉ ኣዳም ዝመሰለ
ንሱ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ
ባዕሉ ስለሓጢኣት ዝተበቀለ

ኣይነጽፍን ድዩ'ቲ ንብዓትኪ
ኣይውዳእን ድዩኸ ሸቶኺ
ሕጅስ ይኣኽለኪ
ደጊም ተንሲኡ'ዩ ከምቲ ዝበለኪ
ንሞት ኣምበርኪኹ ሂቡኪ
ደፊንዎ'ዩ መቓብርኪ

ንገብር ሳልስቲ
ኲሉና መላእኽቲ
ዓይንና ነዚዑ 
ብዓቕሉ ዓቕልና ተወዲኡ
ንሓቐይቱ ክንሓቂ
ሳቐይቱ ክንድርቢ
ተዝህልወና በትሪ
ምዘረና ኣክንድኡ
እንቋዕ ግን ፍጥረት ኰንና
እንቋዕ ፈጠርቲ ኣይኮንና
እንቋዕ ስልጣኑ ናባና ኣይሓለፈ
እንቋዕ ድሕነትኩም ኣይምተኾልፈ

ጸሓየ-ወርሒኳ ስኢነን ዓቕሊ
ረጊፎም ከዋኽብቲ
ወጊኖም ምስ ፈጣሪ
ኣኻውሕ ብድምጺ
መስኪራ'ዛ ምድሪ
በሊ!
ድሕሪት ጥራይ ግልጽ በሊ
እነሀለ'ቲ በዓል ተኽሊ
እነሀለ'ቲ ኣብቋሊ
ንስኺ ተኽሊ ንሱ ተኻሊ
ንሱ'ዩ በዓል ተኽሊ
ግልጽ'ሞ በሊ
ሽዑ ቈጽለ-ብስራትኪ ኣልዕሊ

"ኣይተልቅሲ'ቲ ነፍሲ
ልቕሶ ኣየድልን ሕጂሲ ተሓጎሲ
ዓልሊ ብደስታ መስክሪ ብዓውታ
ክርስትና ከይቅርዑ
ንገርዮም ንዘይሰሚዑ
ንብዓትኪ ዕገትዮ
ምዕጉርትኺ ሓብስዮ
ረቡኒ'ናልኪ
ስመይ ደጋግምዮ"

ሎቱ ስብሐት!


mandag 19. april 2021

ጉዳይ በይንኻ ብዝራብ!

 በስመ ሥላሴ!

'ፖሎቲካን ሃይማኖትንሲ መዓስ'ዮም ዝሳነዩ፧' እናሉ ዓቕሎም ዘጽብቡ ሰባት ካብ ዘጋጥሙኒ ነዊሕ ኣቚጺረ'ለኹ። ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ቅነ። ፖሎቲካን ሃይማኖትን ክንገር እንከሎ፡ ፍቕርን ጽልእን፡ ሓቅን ሓሶትን ዝብላ ቃላት ብብዝሒ ክደጋገማ ይዕዘብ'የ። 

ምስ ሓደ ቀራብየይሲ፡ ሓደ ግዜ ብዛዕባ ንሱ ደስ ዝብሎ ኣርእስቲ ኣልዒለ ዘተ ጀሚረልኩም፡፡ ንሓሳባቱ ክቕበሎን ከይቕበሎን ግዳሸይ ከምዘይብሉ ኣቐዲሙ ነጊሩኒ'ዩ፡፡ ብጽፉፉን እርኑብን ኣነጋግራ ገይሩ መልእኽቱ ከመሓላልፍ  ከምዝደሊ፡ ብከምዚ ዝስዕብ ብርእሰ-ተኣማንነት እንክገልጸለይ ይዝክሮ። "ትጸልኣኒ ዲኻ ተፍቅረኒ፧ ኢለ ክሓተካ ዘይምጽባይካ ብልሒ'ዩ።" ካብ ገጸይ ዋላ-ሓደ ምልክት ስለዘይረኣየ መስለኒ ነዚ ዝበለ። 'ለካ ገጽ ሰብሲ ዝንበብ ከብሒ'ዩ!' ድማ 'ለ ኣነ ብውሽጠይ። ቀጺሉ፡ "እምበርከ ስነ-ልቦናኻ ሰንኪ እዚ ካብ ልሳነይ እትሰምዖ ዘለኻ ቃላት ክጒዳእ ወይ ክጽገን ከምዝኽእል ይፈልጥ'የ። እምበኣር ብዛዕባይ ማለት ብዛዕባ ሓሳባተይ ግዲ ኣለካ ድዩ የብልካን ክሓተካ ትደሊ ኣይትመስልን ኢኻሞ፡ ብልሕኻ' ዩ ዝንበበለይ ዘሎ። ግን "ትጸልኣኒ ዲኻ ተፍቅረኒ"  ንዝብል ሕቶይ ትጽቢት ኣለካ'ዩ'ሞ ንበል። መልስኻ 'እወ ይጸልኣካ'የ እንተዄኑ፡ ከምትጸልኣኒ መርትዖታት ምፍሓር ኣየከድልየንን'ዩ። መልስኻ እወ የፍቅረካን ይድግፈካን'የ፡ እንተ'ልካኒ ግን፡ ሓቅነትካ ክሳብ ክንደይ ትርኑዕ'ዩ ንምፍላጥ ብዙሕ ኲዕታ ከካይድ'የ።"  ወይ ጉድ!

እዛ ምድሪ ወናኒት ሓንቲ ገጽ ክንሳ፡ ዝተፈላለዩ ገጻት ብዘለዎም ሰባት ኣዕለቕሊቓ ምህላዋ መቸም ንዝበዝሐ ሰብ በሪህሉ'ዩ። ኣአንጋዲት ኣእላፋት ሓሳባት ምዃና ከይኣኽላ ዓለምና፡ ጠጠሊቖም ዝወጹላን ዝሕምብሱላን ሕብረ-ብዙሕ ገጻት እናኾነት ትምጠጥ'ላ'ዛ ምድሪ።  በቲ ሓደ ገጻ ደጊኡ እርኑብን ህርኩትን ዝዀነ፡ ግን ከኣ ብሕሜት ኣብ ልሳን ብዙሓት ዝወደቐ ሰብ ይረክባ። ቅርብ እንክብሎ ጒዳይ ሒዙ ይጸንሕ፡፡ ጉዳዩ ጉዳይ በይንኻ ምዝራብ'ዩ። በይኖም ዝዛረቡ ሰባት፡ ንመብዛሕትኦም ሻቕሎት ኣለዎም። ሕብረ-ብዙሕ ዝኾነ ሻቕሎት!

"በይንኻ ምዝራብ ዓይነቱ ብዙሕ'ዩ " ይብል ነበረ ናይ እንግሊዝ መምህርና። ማለቱ፡ 'ብዛዕባ ሕሉፍን መጻእን መደባትካ፡ ንምሕንጻጽ ወይ ንምንቃፍ በይንኻ ከምእትዛረብ ክገብረካ ይኽእል'ዩ' ንምባል'ዩ መስለኒ። እዚ እቲ ካልኣይ ገጽ'ዩ ዝኸውን ዘሎ። በቲ ካልእ ገጽ'ውን፡ እነገሊኦም ሰንኪ ምስ ገሊኦም ምጽላኦም'ዮም ዝኾኑ፡  ኢዶም እንዳሰንደዉ ሓውሲ ቈይቊ ዝመስል በይንነታዊ ዘረባ ዝዛረቡ ኣጋጢሞምኒ ይፈልጡ'ዮም። ምስ ካልኦት ምጽላኦምን ዘይምጽላኦምን ግን፡ ገጾም ከምኡ ስለዝንበብ'የ እምበር ሓቲተዮም ኰይነ ኣይኮንኩን። ከመይ'ለኸ ክሓቶም፧ ክጭልግሙኒ!

መቸም ስደት ዘይርኡይን ዘይስሙዕን እንድዩ ዘርእየካን ዘስምዓካን። መልሲ ስኢኖም ዝተወጠሩ እንክመስሉ መመልከቲቶኦም ኣብ መትልሖም ጔሪም ዘስቊርቊሩ ሰባት'ውን ስደት ኣርእዩኒ'ዩ። ኣብ ከምዚ ኲነት ንዘለዉ ሰባት ክትዛረቦም ምድላይ'ኳ፡ ከም ንኣብ ምቁር ሕልሚ ንዘሎ ሰብ ቀስቂስካ ሕልሙ ከተጥፍኣሉ ምኽኣል'ዩ ዝመስል። ምኽንያቱ ምውቕ ወይ ዝሕቱል ዕላል ሒዙ እንከሎ እንተቀስቂስካዮ፡ ምላልባሽ ምስ መን የዕልል ምንባሩ ስለዘይትፈልጥ ንክልቴኣትካ ቀይሕ መስመር ክኾነካ ይኽእል'ዩ። ኣብ ስደት ካብ ዝፈልጦም ናይ ተዘክሮ ኣዕሩኸይ ሓደ፡ "ስከ ስከ! ግደፍ ኣይትዂለፈኒ፡ ሓንሳእ ይሓስብ'ለኹ!"  ዝበለኒ መሓዛ ይዝክር'የ። ክዛረቦ ወስ ምስ በልኩ ዝበለኒ'ዩ። ደኾን፡ ኤውሮጳ ወይ እስራኤል ንምኻድ ናይ ሽዑ ራኢና ስለዝነበረ "ሳህራ ከመይ ይስግር ኢሉ ይማጎት ነይሩ ይኸውን፧ እዝጊ ዋንኡ!

ነገሩ በይኖም ተዛሪቦም በይንኻ ተዛረብ ዝብሉ ስለዘይወሓዱ'ውን'ዩ መስለኒ፡ ጽርግያ ብጽርግይኡ በይኑ ዝዛረብ ሰብ ዘዕለቕልቕቖ ዘሎ። "ዕሩይን ጽፉፉን ፕረሰንቴሽን ከተቕርቡ 'ተዄንኩም፡ ምስልኹም ኣብ መስቲያት እናረኣኹም በይንኹም ክትዛረቡ ኣለኩም" ትብል ናይ 10ይ ክፍሊ መምህር'ውን ነይራትኒ'ያ። ተመኲሮኣ'ዩ ዝኸውን ዘሎ። ሓቂ ይሓይሽ ኣብቲ ፍልም ስሒቐያ'የ፡፡ በይነይ ዘይኮንኩ'ውን ክላስ ምሉእ ብጅምላ ኢና ስሒቕናያ። ዳሕራዩ ግን ለካ በይንኻ ምዝራብሲ ጠቐመ ከኣ'ምበር። እቶም ብዙሕ ግዜ በይኖም ዝተዛረቡ ዝበዝሐ ነጥቢ፡ እቶም በይኖም ዘይተዛረቡ ግን በይኖም ከጒረምርሙ ተራእዮም። ወይ ጉድ ኣብ ግዚኡ በይንኹም ተዛረቡ ተባሂሎም ዘይተዛረቡስ፡ ግዜ ምስ ሓለፈ በይንኻ ምጒርምራም እንታይ'ዩ ጣቊኡ! እቶም በይኖም ምስ መስትያት ዝተዛረቡ፡ ካዕቦ ነጥቢ ብምሕፋስ፡ ድሮ በኖም ምዝራብ ኣቋሪጾም፡፡ እቶም በይኖም ዘይተዛረቡ ግን ነጥቢ ስለዝተኸልከሉ በይኖም ምጒርምራም ጀሚሮም። ጉድ'ዩ!

 በቲ'ልካ በዚ፡ "ሎም-ሎምስ እምበርዶ ምስ ሰብ ዝዛረብ ሰብ ክርከብ'ዩ" ኢለ በይነይ ዘስቈርቈርኲሉ ግዜ እናበዘሐ ይመጽእ'ሎ። ሓንቲ ነጥቢ ግን ተረዲኤ'ለኹ። ወረግ እንኮ ነጥቢ ጥራይ ኣይኮነትን።

√ ፍቕርን ጽልእን፡ ሓቅን ሓሶትን ንምልላይ ዝግበር ከይዲ ጠቓሚ ምዃኑ፡ ሓደ በለለይ!

√ ኣብ ግዜኻ በይንኻ ምዝራብ ነጥቢ ከምዘውህብ፡ ከምዛ ናይዛ መምህርና።

√ ነብሰ-ፍተሻ ምግባር ንነብስኻ ከምዝጠቅም፡

√ በይንነታዊ ዘረባኻ ዕለቱ ምስ ዝወድቕ ግን፡ ኣጒረምራሚ ከምዝገብረካ።ኤክስፓየር ዴትሲ ዋላ ንበይንኻ ምዝራብ'ውን  ይውክሎ'ዩ ለካ።

ክንቅጽላዶ፧ ደሓንስከ ኣንበብቲ ዋላ ባዕልኹም መልእዎ...

እምበኣር ፍቕርን ስኒትን ይሃበና ፈጣሪ!!


onsdag 13. januar 2021

ምልኣትን ተመላላእነትን

በስመ ሥላሴ

√ ተፈጥሮ ሓደ ነቲ-ሓደ ተመላሊኡን ተቐሚሙን ዝተመስርሐ'ዩ። ኲሉ ፍጥረት ክንዲ ፈጣሪ ዝኣክል ፍጽምና ዝለበሰ'ኳ ተዘይኮነ፡ ሰራሒኦም ሳላ ጥበበኛ ኴኑ ብጥበብ ኣቃሚሙ ዝመስረሖም ግን፡ ኲሉ ኣድናቒ መዋእሉ ኣድኒቑ ክጸግቦም ኣይከኣለን። ፈጣሪ ወትሩ ምሉእን ፍጹምን'ዩ፡ ፍጥረት ከኣ ክፍጠሩ ኣትሒዞም ብምልእቲ ኢድ ዝተሰርሑ ክንሶም፡  ነሓድሕዶም እናተመላልኡ ይነብሩ።

√ ንኣብነት:-  እዚ ብእግሪ ዝርገጽ ሓመድ፡ ንናይ ሰብ ምልኣታዊ ተፈጥሮነት ምኽንያት ኴኑ'ዩ ዝጸንሕ። እወ! እዚ ንስእሊ ፈጣሪ ዘዘኻኽር ሰብ፡ ኣብ ውሽጡ ሓመዳዊ ባሕርይ ተደቢቑ ኣሎ። በዚ ምኽንያት'ዩ መስለኒ ሰብ "ንፈጣሪ ተመዓራርየዮ" ኢሉ ዝንየተሉ ጒልበትን፡"ሓመድ'የ" ኢሉ ዝሕለለሉ ዓቕምን ዘይህልዎ። ኮታ ምስሊ ፍጣሪ ዝውንን ፍጥረት ክንሱ ሰብ፡ በዝን በትን ምስ ፍጥረት ተመላሊኡ ክነብር ግዴታ ይኾኖ።

√ ጎቦታት ብማዕዶ እንክረኣዩ፡ ከም'ታ ብጽቡቕ ዝተሸለመት መርዓት፡ ዝተፈላለዩ ሕብርታት ዘለዎም ኣትክልቲ የብቊሉ ብምዃኖም፡  እቲ ዝውንንዎ ዝተፈላለየ ብራኸታት፡ ንጎደሎኦም መመላእታ ዝረኸብሉ መሲሎም ይረኣዩ። በዚ መሰረት፡ ኣብ'ቲ ዝረአ ጽባቔኦም፡ ንምልኣታዊ ውቃቤኦም ዘካትቱ ኣዝዮም ብዙሓት ዘይረኣዩ ባእታታ ከምዘለዉ ዘይሰሓት ሓቂ ኴኑ ይጸንሕ።

√ ውሕጅ ተዘይኽሰት ቂዕ ኢሉ ዝወጽእ ሽያኽ ኣይምሃለወን። ኣብ ውሕጅ ዝረኣዩ ሓቅታት ክፍተሹ እንተዄኖም፡ ብመንጽር'ቲ ተሰኪሞሞ ዝመጹ መዓድናት፡ ኲሉ ግዜ ንሓደጋ ዘቃልዑ ጥራይ ኴኖም ኣይጸንሑን'ዮም፡፡ እቲ ሓደገኛን ኣዕናውን ዝመስል በዓል ትርኑዕ ሓይሊ፡ በቲ ካልእ ገጻቱ ገማጢልካ ምርኣይ ናይ ለባማት ሰባት ባሕርይ'ዩ።  ኣብ'ዛ ዓለም ሰንኪ ውሕጅ ብዙሕ ዘማርር ሰብ'ኳ እንተሃለወ፡ ብዙሕ ዝሕጐስ ከምዘሎ'ውን ዘይዝንጋዕ ክውንነት'ዩ። ንተፈጥሮ ናህሪ ጽባቐ ክውስኽ ዝኽእል ዘዴ ብዙሕ ክርቋሕ ይከኣል'ዩ ኣብ ውሕጅ። ገለ ምዕቡላትን ጠቢባን ሰባት ንውሕጅ ከም መመንጨዊ ጽዓት ክጥቀምሉ ካብ ዝጅምሩ ነዊሕ እዋን ኣቚጺሩ'ሎ። እምበኣር ኣብ ማይን ምንጪ ማይን፡ ብዙሓት ዝተመላልኡ ነገራት ተኻቲቶም ምህላዎም ክስትብሃል ዘለዎ'ዩ።

√ ስለዚ ምምልላእ፡ ንነገራት ከጸብቖምን ንምልኣቶም ምልኣት ክውስኸሎምን ዝኽእል ቀንዲ ረቛሒ'ዩ። ሰብ ንገዛእ ርእሱ ኣካል ተፈጥሮ ምዃኑ እንተተረዲኡ ከኣ ቀሊል ወግዒ ኣይኮነን። እዚ ካብ ኮነ ድማ፡ ሰብ ኣብ ምልኣታዊ ከይዲ-ሕይወት ኢድ ክህልዎ እንተዄኑ'ዩ። ቅድሚ ኲነት እምበኣር ገዛእ-ርእሱ ጎደሎ ምዃኑ ምግንዛብ ኣለዎ ንሰብ።

ሎቱ ስብሐት!


lørdag 2. januar 2021

ማዕጾ መን ከፈተ

" ' መን ይኹን መን ብዘየገድስ ክሳዕ ዝተወሰነ እዋናት፡ ገዛና መጽዩ ማዕጾ ዝኳሕኰሐ ሰብ ከይንኸፍቶ፧' ኢሎም ጽኑዕ ክታም ዘንበሩ ሓደስቲ ምርዑዋት ነበሩ" ይበሃል። ማዕጾ እንተተኳሕኲሑ ድማ፡ ዝኸፍት ስለዘየለ ነፍሲ-ወከፍ ኳሕኳሒ መን ምዃኑ ከይተፈልጠ ረብሪቡ ይምለስ ነበረ። 


ወዮ ሰብ ሓዳር፡ በይናዊ ፍቕሪ መቂርዎም ቤቶም ሰብ ከይኣተዎ ነዊሕ እዋን ሓለፈሞ፡ ኣብ ሓደ እዋን ክልተ ኣዋልድ ሓደ'ውን ወዲ፡ ማለት ሰለስተ ማንታ ወለዱ፡፡ ከምቲ ልሙድ ግን ሓደ ግዜ ማዕጾ ተኳሕኰሐ፡፡ ኣጋጣሚ እቲ መርዓዊ፡ ዘይሽዑ መዓልቲ ዘይኣመሉ ክገብር፡ መንነት ኳሕኳሒ ክፈልጥ ክብል ናብ ካሜራ ገጹ ቀረበ፡ 'ተረኣየ ግን'ቲ ዘፍቅሮ ኣቡኡ ኴኑ ጸነሖ። ኣብ ገጽ ክልቲኣቶም ኣቦን ወድን ክቱር ናፍቖት ይንበብ፡፡ እንተዀነ መርዓዊ፡ ምስ ሰበይቱ ዝኣተዎ ስምምዕ ከየፍርስ ክብል፡ ክቱር ፍቕራውን ናፍቖታውን ስምዒታቱ ቀቢሩ ማዕጾ ከይከፍት ወሰነ። ኣቡኡ ከኣ ረብሪቡ ተመልሰ።


ካልእ ግዜ ድማ ብተመሳሳሊ ማዕጾ ተኳሕኰሐ። ሽዑ'ውን እታ መርዓት'ያ ዘይመላ ክትገብር፡ መን ምዃኑ ክትፈልጥ ናብ'ቲ ካሜራ ናይቲ ማዕጾ ገጻ ዝቐረበት። ተረኣየት ከኣ እቲ ኣዝያ ተፍቅሮን ተኽብሮን ኣቡኣ ኴኑ ጸነሐ። ናፍቖታ ተርዊ ዘላ መሲልዋ ናብቲ ካሜራ ኣዝያ ቅርብ እንተበለት ድማ፡ ብተዓጻጻፊ መልክዑ ኣብ ገጽ ኣቡኣ ልዕሊ ዓቐን ናይ ናፍቖት ስምዒታት ተንብብ። እዛ ግዜ'ዚኣ ኣዝያ ጽንክርቲ'ያ ንዓኣ። በቲ ምስ ሰብኣያ ዝኣተወቶ ስምምዕ ከይተፍርስሞ ዘይእምንቲ ተብሂላ ከይትንቀፍ፡ በዚ ከኣ ፍቕሪ ኣቡኣ ምግባር ኣብይዋ ኣዝያ ተቐርቂራ፡ መዓጒርታ ብንብዓት ይሕጸብ። ኣብ ውሳኔኣ ግን ናፍቖቱ ምኽኣሉ ስለዝሰኣነት ነቦኣ ከፈተቶ፡፡ እንዳተሕነቕነቑ ድማ ናፍቖቶም ኣውጽኡ።


ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ዓመተ ልደት ናይ ደቆም ዘኽብርሉ ሰዓት ኣኸለ፡፡ ሰብኣይን ሰበይትን እምበኣር በብወገኖም፡ ' ንደቅና ይምጥን'ዩ' ዝበልዎ ህያባት ካብ ከተማ ገዛዚኦም መጹ። እታ ኣደ ንሰለስቲኦም ደቃ ህያባት ከተምጽእ እንከላ፡ በዓል ቤታ ግን ነተን ክልተ ኣዋልድ ጥራይ ህያብ ኣምጺኣለን። ወይዘሮ ተግባራት በዓል-ቤታ ስለዘገረማ፡ "ስለምንታይ ነዘን ኣዋልድ ጥራይ ፈሊኻ ህያብ ኣምጺኻለን፡ እዚ ወድናኸ እንታይ ጔሩካ፧" ኢላ ብቚጠዐ ተወከሰቶ። 


ሰብኣይ ከኣ ህድእ ኢሉ፡ "ምልባሽ ምስ ተመርዓዋ ኣቦ ኴነ ናፍቖተይ ክገልጽ ተመጻኹወንሲ፡ ማዕጾ ደኾን ይኸፍታኒ ኢለ'የ።" ኢሉ ንሰበይቱ መለሰላ ይበሃል። 

ቃልን ርህራሄን ብሞደሻ ዘይጽዓቱ ትርኑዓት ሓይሊ'ዮም!


 

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...