tirsdag 20. august 2019

ዕብየታን ክብራን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም! 1ይ ክፋል



በስመ ስላሴ!

በእንተ ዕበያ ወክብራ ለእግዝእትነ ቅድስት ድንግል በክልኤ ማርያም።

ናሁ ኣነ እነግር  ክብራ ወዕበያ ለእግዝእተ ኩልነ ቅድስት ድንግል በክልኤ ማርያም ወላዲተ ኣምላክ፡ በትሕትና ወበፍርሀት፡ ዘተቀድሐ እምሀበ ትምህርተ ኣበዊነ ቅዱሳን፡  ከመ ይኩን ለዚኣነ በረከተ ሰናየ፡፡ ወለዝንቱ መናፍቃንሰ ዘኣልቦሙ ርትይዕተ ሃይማኖት ይኩኖሙ ተግሳጸ።

-- ንዓና በረኸት፡ ንደፋራት መናፍቃን ድማ ተግሳጽ ይግበረልና።

ሀ)  ስለዕብየትን ልዕልናን ቅድስናን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ኣብ ቤተክርስትያን ክንገረና እንከሎ፡ ካብቲ ኩሉ ዝኽእል ፈጣሪና፡ ኣምላኻዊ ቃሉ ተቐዲሑ ዘይውዳእ ፈልፋሊ ትምህርተ ቤተክርስትያን ደኣምበር፡ ምድራዊ ፍልስፍና ዘንቀሎ ኣይኮነን።

1. ድንግል ማርያም ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ኣብ ሕልና እግዚኣብሔር ተሓሲባ ነይራ።
√ ብኡኡን፡ (( በታ ቀደም ዝተዋህበትና ጸጋን))  ኣድሓነና።
2ጢሞ1፥9-10
-- ኣስተውዕል፡
"ብኡኡ ተዋህበትና " ዝተባህለ እግዚኣብሔርነቱ'ዩ፡ "በታ ቀደም ዝተዋህበትና ጸጋ" እትበሃል ዘላ ግን፡ ናይ ኣዳምን ዘርኡን ግምጃ ኮይና ዝጸነሐት ቅድስት ድንግል'ያ። እግዚኣብሔር ዘድሓነና ብመለኮቱ ጥራይ ኣይኮነን፡ ፐርከስ መለኮት ኣይሓምምን ኣይመውትን'ዩ። እንታይ ደኣ ብተዋህዶ ስጋን መለኮትን'ምበር። ስለዚ እታ ርስሓት ንከይኣትዋ ብመንፈሳዊ ሓይሉ ዓቂብዋ ዝጸነሐ ድንግል፡ ዕለቱ ምስ ኣኸለ፡ እቲ ንጹሕ ኣምላኽ ኣብ ማሕጸና ብመንፈሳዊ ሚስጥር ተቐመመ። ንሕና ድማ ኣምላኻዊ ፍርዱ እካ ብሰንኪ ግብርና ናብ ሲኦል የውርደና እንተነበረ፡ ኣምላኻዊ ምሕረቱ ግን በዛ ተረፍ ቅድስና ኣዳም ዝኾነት ድንግል ካብ ሲኦል ከምእነምልጥ ገበረና። "ነዚ ጥበብ'ዚ ኣንክሮ ይግባእ!" በለ ኣባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ።
ገላ4፣4
√ እግዝእትነ ማርያም ነበረት እምቅድመ ዓለም በሕልና ኣምላክ።
ቅዱስ ኣባ ደቅስዮስ (ግብጻዊ)፡ መቅድመ ተኣምረ ማርያም

2. እግዚኣብሔር ቅኑዕ ፈራዲ ብምኻኑ ንኣዳም ብግብሩ እካ እንተፈረዶ፡  ቅኑዕ ምሕረቱ ንከርኢ ግን፡ ብርሃናዊት ተስፋ ድሕነት ኣብ ሕቖ ኣዳም ኣቐመጠ። ስለዚ ንእግዚኣብሔር "ዘይፈረዶ" ኢልና እንወቕሰሉ ሓይሊ የብልናን፡ ምኽንያቱ ንኣዳም ፈሪድዎ ዩ። "ምሕረቱ ተሰዊራ!" ኢልናውን እንወቕሰሉ ምኽንያት ኣይነበረናን፡ ምኽንያቱ ኣብ ባህሪ ኣዳም ሓንቲ መርገም ዘይሓለፈ ንጽሕት ተረፍ ቅድስና ኣትሪፍልና'ዩ እግዚኣብሔር። ምሕረቱ ኣብዚ እነሃ ተገሊጻ። ቅዱሳን ድማ ብዛዕባዛ ተረፍ ቅድስና ኣዳም ዝኾነት ድንግል፡ ብዝተፈላለየ ምሳሌ ትረኣዮም ስለዝነበረት፡ ኣኣብ ዝነበርሉ ዘመን በብጸገኦም ተነበዩላ። "ኢሳይያስ ተረፍ ተዘይሓድገልና..." በለ፡ ጳውሎስ ድማ "ንዑኡ ኣመስገንቲ ንክንከውን ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ሓረየና!" ኢሉ ተርጎሞ። ሕርየት፡ ካብዝን ካብትን ኢልካ'ዩ። እግዚኣብሔር ንሰብ ድሕሪ ምፍጣር ዓለም ፈጢርዎ ከብቅዕ፡ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ግን ሓረዮ፡ ማለት ካብ ኩሎም ፍጥረታት ኣብሊጹ ሓለኖ። ስለዚ ኣዳም  ብውድቀቱ እካ ክብሩ ትሕቲ ኩሎም ፍጥረት ብምኻኑ ብኹሎም እንተተናዕቀ፡ በታ እግዚኣብሔር ኣብ ባህሪ ኣዳም ዓቒርሉ ዝጸነሐ ተረፍ ቅድስና ግን ሕርየቱ ብምኽንያት ድንግል ማርያም ልዕሊ ኩሎም ኮይኑ ክቕጽል ጸነሐ።
√ ኢሳ 1፥9፡ ኤፌ1፥4, 2ጢሞ1፡9-10
√ ከም ዕንቂ ባሕሪ ኣብ ከርሰ ኣዳም ኮይና ተበህ ነበረት።
ቅዱስ ያሬድ ማህሌታይ

3. ቅድስት ድንግል ማርያም ጥንተ ቅድስና እምበር ጥንተ ኣብሶ የብላን።
-- "ጥንተ" ዝበሃል ዘሎ፡ ኣዳም ቅድሚ ምውዳቑን ድሕሪ ምውዳቑን ዘመልክት ትረኻ'ዩ። ኣቦና ኣዳም ቅድሚ ምውዳቑ ቅዱስ ንጹሕ ገይሩ እግዚኣብሔር ብጥበቡ ፈጠሮ፡፡ በዚ ድማ መላእክት ብክብሪ ዓጆቦም ኣኽበርዎ፡ ኣብ ገነት ድማ ን7 ዓመታት ብቅድስና ከቢሩ ጸነሐ።
ቀሌመንጦስ 1፥38፡ ኩፋሌ 4 ተመልከት፡
--ምስ ወደቐ ግን ክብሩ ብፍርዲ እግዚኣብሔር ተነጥቀ። ስለዚ ድንግል ካብቲ ጥንታዊ ቅድስና ኣዳም ድኣ እምበር፡ ካብቲ ድሒሩ ዝመጸ ኣበሳ ኣዳም ሒዛ ኣይተወልደትን። ምኽንያቱ እግዚኣብሔር ካብቲ ኣምላኻዊ ፍርዱ፡ ብኣምላኻዊ ጥበቡ ከምእተምልጥ ገይርዋ ኢዩሞ።

√ እግዚእትነ ማርያም ትነጽሕ እመላእክት፡ እግዝእትነ ማርያም ትዓቢ እምኩሉ ፍጥረት።
እመ ቤትና ማርያም ካብ መላእክት ትነጽሕ፡ ካብ ኩሉ ፍጥረት ድማ ትዓቢ።
-- ዕብየታን ንጽሕናኣን ልዕሊ ኩሉ ፍጥረት፡ ግን ከኣ ትሕቲ ፈጣሪ ኢልካ ንምንጋር ደኣምበር፡ መላእክት ኣበሳ ስለዘለዎም ኣይኮነን ካብ መላእክት ትነጽሕ ዝበሃል ዘሎ።
መቅድም ተኣምረ ማርያም ተመልከት፡ ቅዱስ ደቅሲዮስ (ግብጻዊ ኣቦ)

4. ቅድስት ድንግል ማርያም ጥንታዊት ቅድስና ሒዛ እምበር፡ ጥንታዊት በደል ሒዛ ኣይተወልደትን።
√ ንስኺ ግን ንኹለን ትበልጽየን ኢኺ፡ ምሳ31፥29
√ ሐረያ እግዚእ ለጽዮን ከመ ትኩኖ ማህደሩ፡ መዝ132፥13
-- "ሐረያ!" ዝብሃል ዘሎ፡ መዓስ ሓርይዋ ብዝብል ገጽታ፡ ናብቲ ጥንተ ፍጥረት ኣዳም ይወስደና። ገለ ገሌኦም፡ " ከመይ ኢልካ፡ "ከይተወልደት እንከላ ሓርይዋ" ብምባል ንእግዚኣብሔር መዳለዊ ትገብሮ ኣለኻ!" ዝብሉ ኣለዉ። እሞ እንታይ  ንበል፡ እግዚኣብሔር ንኹሉ ምሉ ምልኣታዊ ባህሪ ኣዳም ፈሪድዎ'ዩ፡ እንተበልና ደኣ፡ ምሕረቱኸ ኣይዘንጋዕናዮንዶ፧ ቅዱስን ልዕሊ ኩሉን ገይሩ ንኣዳም ብመልክዑ እንክፈጥሮ መዳለዊ ዘይተባህለስ፡ ሕጂ ተረፍ ቅድስና ኣዳም፡ ኣብ ሕቖኡ ስለዘቐመጠ ክንቅልቀፍ? በጭራሽ!! በዚስ ንጥበበ እግዚኣብሔር ንንእዶ እምበር፡ መዳሊዊ ኢልና ኣይንነቕፎን።

√ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ'ሞ ኣይትፍርሂ።
-- ((ኣስተውዕል " ጸጋ ክትረኽቢ ኢኺ" ኣይኮነን ዝብል'ዘሎ ቅዱስ ገብርኤል። ገና ጥንሲ እንከይተጀመረ ንሳ ግን ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ጸጋ ረኺባ ስለዝጸነሐት'ዩ ዘመስግናን ዘበስራን ዘሎ ።))
ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ።
(ሉቃ1፥30)

5. ትምህርተ ኣበው ቅዱሳን፡-

√ ኢያእመረ እስመ ዘተፈጥረት እምነ ጽቡር ወጽሩይ ትከውን መቅደሶ ለእግዚኣብሔር።
-- ካብ ንጹሕ ጽሩይ ዘርኢ ዝተፈጥረት ኮይና፡ ንእግዚኣብሔር መሕደሪኡ ከምእትኸውን ኣይፈለጣን።
ዘኢራቅሊስ ናይ ቆስጠንጥንያ ኤጲስቆጶስ ዝነበረ ኣቦ
ሃይማኖት ኣበው48፥31
- ብዛዕባ ፈሊጥ ናይ ጻድቅ ዮሴፍ'ዩ ዝትርኽ ዘሎ። ታሪኹ ኣብ ወንጌል ኣለና፡ ጸኒሳ ስለዝጸነሕት፡ እንታይነታዊ ክብራን ቅድስናዊ መንነታን ክርደኦ ኣይከኣለን። ንሳ ካብ ዘርኢ ሰብኣይ ከምዘይምኻኑ እቲ ጽንሲ ነጊራቶ'ያ፡ መልኣኽ ድማ ብሕልመ ለይቲ ክሓድጋ ከምዘይብሉ ምስ መጠንቀቕትኡ ኣረዲእዎ'ዩ። እምበኣር ዮሴፍ ኣረጋዊ፡ ክሳብ ኣብ ቤተልሔም ንጎይታ እትወልዶ ክብራን ዕብየታን ክርደኦ ብዘይምኽኣሉ፡ "ኣይፈለጣን!" ተባሂሉ ደጋጊሙ ተነግረ። ቅዱስ ዘኢራቅሊስ ድማ ስለቲ ቅድመ ምጽናሳ ዝነበረ ክብረ ቅድስናኣ ብሓጺር ገለጻ፡ ነዊሕን ሰንሰለታውን ጽሩይነታ ተረኸልና።

√ ወሐደረ በከርሰ ማርያም ድንግል ንጽሕት ወትረ ወጽሩት እምቅደመ ድንግልናሃ።
-- ኣቐዲማ ቅድሚ ምጽናሳን ድሕሪ ምጽናሳን ድንግል ንጽሕቲ ጽርይቲ ኣብ ዝኾነት ኣብ ማርርያም ድንግል ሓደረ።
ቅዱስ ዘሚናስ ዘእስክንድርያ ሊቀ ጳጳስ (ግብጻዊ)

-- ቅድሚ ጽንሰት ብሉይ ኪዳን'ዩ፡ ካብታ "ከምቲ ዝበልካዮ ይዂነለይ፡" ዝበለትላ እዋን ኣትሒዙ ግን ሓዲስ ኪዳን ጀመረ፡ ስጉው ቃል ኣብ ማህጸና ንድሕነት ደቂ ኣዳም ክስጎው ጀመረ። ስለዚ ቅዱስ ሚናስ፡ "ነየናይ ቅድስናኣ'ዩ ዘድንቕ ዘሎ?"  ኢልና እንተሓቲትና ነቲ ቅድሚ ምጽናሳ ዝነበረ ቅድስና ምኻኑ የረድኣና'ሎ።

√ ዕበያ ለድንግል ኢትከሀል ለተነግሮ እስመ እግዚእ ሐረያ ወመጽአ ወሐደረ ላዕሌሀ።
-- ዕብየታ ናይ ድንግል ክንገር ኣይከኣልን'ዩሞ፡ ጎይታ ሓርይዋ መጺኡ ድማ ኣብ ልዕሌኣ ሓደረ።
ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ
ውዳሴ ማርያም ዘሰሉስ
-- ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ ንናይ ገብርኤል መልኣኽን ቅድስት ኤልሳቤጥን ምስጋና ምርኩስ ብምግባር ተመሲጡ፡ ንዕቤተ ድንግል ብኣደነቕቲ ቃላት ይነግር ኣሎ።

√ ተፈስሒ ኦ ሙዳይ እንተ ኣልባቲ ነወር ፍጽምት ዘኣልባ ርስሐት።
-- ኣንቲ ኣበርን ርስሓትን ዘየብልኪ ፍጽምቲ ሙዳይ ተሓጎሰ ደስ ይበልኪ።
ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ፡ ውዳሴ ማርያም ዘረቡዕ
-- ቅዱስ ኤፍሬም '?"ነዚ ንድግል ዝወሃብ ምስጋናን ኣድናቖትን ካበይ ወሲድዎ፥ መን'ዩ ምሂርዎ?" ኢልና እንተሓቲትና፡ ካብ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ'ዩ ተማሂርዎ። ነታ
"ኦ ምልእተ ጸጋ"  እትብል፡ ዘርዚሩ ዝተርጎማ'ዩ።

√ ብኪ ግርማ ራእይ ዘየዓቢ እምግርማ ኪሩቤል እለ ብዙሐን ኣዒንይንቲሆሙ፡ ወሱራፌል እለ ስድስቱ ከነዲሆሙ።
ቅዱስ ያሬድ ማህሌታይ፡ ኣንቀጸ ብርሀን
-- ግርማኺ ካብ ግርማ ኩሩቤል ብዙሓት ዘዒንቶም፡ ሱራፌል ሽዱሽተ ዘኽናፎም ይዓቢ።
-- እግዚኣብሔር ብባህሪኡ ካብ ማንም ዘየምጽኡ፡ ማንምውን ክወስደሉ ዘይክእሉ ገንዘቡ ዝኾነ ኣምላኻዊ ግርማ ኣለዎ። እዚ ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ማለተይ'የ። ኩላቶም ፍጥረቱ ድማ በበቲ ዝሃቦም ናይ ጸጋ ክብሪ፡ ንሓድሕዱ ዝበላለጽ ግርማ ኣለዎም። ድንግል ማርያም ግን እግዚኣብሔር ጥራይ ደኣሉ ብኣምላኻዊ ግርማኡ ዝበልጻ እምበር፡ ግርማኣስ ልዕሊዞም ተሰምዮም ዘለዎ ኪሩቤልን ሱራፌልን እረ ልዕሊ ኩሉ ፍጥረት፡ ናይ ኣደ ኣምላኽ ምኻን ግርማ ዝተዓደለት ምኻና የዘንቱ ኣሎ ቅዱስ ያሬድ ማህሌታይ።


√ ኣኮ ዘተኣምሪ ርስሐተ ከመ ኣንስት እለ እምድሕሬኪ ወእምቅድሜኪ።
-- ከምተን ድሕሬኽን ቅድሜኽን ዝነበራ ኣንስቲ ርስሓት ኣይትፈልጥን ኢኺ።
ቅዱስ ኣባ ህርያቆስ፡፡ ቅዳሴ ማርያም፡
-- ድሕሬኣ ዝተወልዳ ናይ ሓዱሽ ኪዳን ደቀንስትዮ ኢየን፡ ቅድሜኣ ዝነበራ ድማ ናይ ብሉይ ኪዳን'የን። ከምኣተን ርስሓት እትፈልጢ ኣይኮንክን ኢሉ የድንቓ ኣሎ ቅዱስ ህርያቆስ።

ጣዕመ ፍቅራ ወበረከታ ይክፈለነ።
እግዚኣብሔር ብፍቕሩ ምስ ቅዱሳኑ ይደምረና።
ወስብሐት ለእግዚኣብሔር።
2ይ ክፋል ይቕጽል።
√ ሕቱም-መጽሓፍ

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...