onsdag 1. mars 2017

ንሓሰኻ መቀሮ፡ንሰብ ግን ሰርሰሮ!!

በስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን
ንሓሰኻ መቀሮ፡ንሰብ ግን ሰርሰሮ!!
ወገነይ ሰብ ምኽናካ እሞ ንሓንቲ ካልኢት ሕሰብ፡ልዕሊ ኩሎም ፍጥረት ብዜይካ መላእክቲ ዝዓብየካ ምንም ከምዘየለ ክርደኣካ ኢዩ።ፈጣሪኻ ካብ ሓመድ ኣልዒሉ እካ እንተፈጠረካ፡ብምስሉ ገይሩ ስለዝፈጠረካ፡ካብ ግርማነቱ፡ተፈራሕነት፡ካብ ቅድስንኡ ቅድስና፡ካብ ዕቤቱ ልዕልና ተማቓሊ ንኽትከውን ፈቒድልካ ኢዩሞ ክርድኣካ ኢዩ።
ሓደ ግዜ ጠምይኒ ስለዝነበረ፡መግቢ ክሰራርሕ ግዜ ምሳሕ ሓሊፉ ግዜ ድራር ገጹ ተገማገመ፡ምሳሐይ ሰሪሐ ምስ ወዳእኩ፡እግዚኣብሄር ዘዳለዉ ክቡር ጋሻውን መጺኡኒ ነበረሞ፡" ጥዕምቲ ፉል ከብልዓካ ኢየ፡! ብምባል ሰራሪሐ ኣዳለኹ።ሓዉኹም ኣብ ምኽሻን ንፉዕ ኣይኮንኩን፡ግን ክቡር ባህሊ ሕዙ ዝዓበየ ጋሻይ ዋላ ውሕልነት ዘይእንታያ ኢደይ እንዳረኣያ ሸፈነለይ።ጥዕምቲ፡ጥዕምቲ፡ይበል።ኣቤት ንዓኻ ትረክብ ጋል ሄዋንሲ ክንደይ ፈጢርላ እንዳበለ ኣተባብዓኒ።ኣነ ግን ነቲ ዝህበኒ ዝነበረ ኣጸናናዒ ቃል ዘይናተይ ስለዝኮነ ነታ ድካመይ እንዳቖንጠኹ፡ስቕ ኢለ ዳራርና ኣዳለኹ።
ወዮ ማእዲ ምስተቐረበ ጉዕ በርበረ ተረሰዐሞ፡"ከመይ ኢካ! ጉዕ ኣብኡ ኣንከሎ ተተቐረበ" በልክዎ።ጸገም የለን ቀርዲድካ ጥራይ ኣምጻዮ በለኒ።ካራ ኣዳልየ ነታ ዓባይ ጉዕ በርበረ ኣብ ክልተ መተርኩዋሞ፡ናይታ ጉዕ መሪርነት ንኣፍንጫይ ኮለ ገና ሰርሲሩ ኣናወጾ።ነዚ ከየስተብሃልኩ፡መኣዲ ንኸርክብ ነታ ጉዕ ተብተብ ክብል ውሽጣ ክፍት እንተበልክዋ፡ኣብ ኮቦርታ ማሚቑ ከምዝደቀሰ ተባዕታይ ድሙ ክመስል ገዚፍ ሓሰኻ ኮፍ ኢሉ ረኣኹ።መጀመርያ ሕልሚ መሰለኒ።ነገሩ ግን ሓቂ ኮነ።ናይዛ ጉዕ መሪርነት፡ነዓይ ኣፍንጫይ ሰርሰረትኒ፡ንዑኡ ነዚ ደቂቕ ፍጥረት ግን ምቾት ዝጥዕም ምቁር ሂዎት ከምዝኾነቶ ተመልከትኩ።ለካ መረርቲ ኮይኖም ዝስምዑና ነገራት፡ብእግዚኣብሄር ግን ክቕየሩ ከምዝኽእሉ ተዓዘብኩ።
ኣየ ሰብ ኢለ!! ንድኻመነተይ፡ብምውቃስ ንፍጥረት ኣምላኽ ኣድነቕኩ።ሓሰኻ ደምበ ናብ ዝለምለመሉ ከምዝበሃል፡ሕጂ ግን ንሓሰኻ፡ዋላ እቲ መሪር ከምዝልምልመሉ ተዓዘብኩ።ከመይ ኢሉ ደኣሉ ሰብ ኣብ ኩሉ ክነብር ዝኽእል እናኾነ ክንሱ፡ብቦታ ዘማርር፡በቲ ሓይሊ ዝሕቦ ኣምላኽ ኩሉ ክኽእል እናተፈቕደሉ፡ብኹሉ ኩነታት ዝመሮ፡ሓዳር፡ይኹን በይንነት፡ጥዕና ይኹን ስንክልና፡ሃብቲ ይኹን ድኽነት ኩሉ ንሰብ ከምርሮ ዘይኮነስ ከመቅሮ ነይርዎ።
ኣየ ሰብ፡ሰብ ግን ነቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ህያብ መሪርኒ በለ፡ንሓሰኻ ዘይመረተት ዓለም ንሰብ ግን መረረቶ።ንሓሰኻ ዘይሰርሰረት ናብራ፡ንሰብ ግን ሰርሰረቶ።ንሓሰኻ ዘይቀተለት ዓለም ንሰብ ገን ብሓጥያት ቀተለቶ።ክገርመኩም ነዚ ሓሰካ ኣብ መሪር ጉዕ ተመችእዎ ምጽንሑ፡ሰብ ኣብቲ ኣነዝበለ መሪር ኩነት፡ብሓይሊ ኣምላኽ ክቕመጥ ከምዝኽእል ተማሃርኩ።ንሰብ ክነብረላ ኣዝያ እተጸግሞ ሓንቲ ቦታ ጥራይ ኣላ፡ንሳ ሲኦል፡ምዕባያ ሓፍታ ድማ ገሃንመ እሳት ኢየን።ኣብዜአን ንኽነብር ኣዝየን ኣጸጋሚ ኢዩ።ከይፈተወ ኢዩ ኣባአን ክኸይድ፡እዚ ድማ ግብሩ ምስተዘርገሐ፡ንዑኡ ዘውህብ ደሞዝ እንተገይሩ፡ክፊልት ዝወሃቦ ኢዩ፡ተዘይኮነ ንሰብ ኢሉ ዝተዳለወ ዕረፍቲ ኢዩ ነይሩ።ብሰንኪ ድኻሙ ግን ናብዚ ዝኸፈአ ቦታ ብፍታዊ ክኸይድ ኢዩ።
ንሰብ ኣዝዩ ክጽመማ ዝግበኦ ድማ ሓንቲ ቦታ ኣላ ንሳ ድማ ክሳብ ኣብዛ ምድሪ ዘሎ፡ህይወቱ እተንከባኽቦ ምድሪ።ንሰብ ሓንሳብን፡ንሓዋሩን ሙሉእ ምቾትነት እትህቦ ድማ ሓንቲ ቦታ ኣላ።ገነት፡ምዕባያ ሓፍታ ድማ መንግስተ ሰማያት።ናብዛ ዓባይዚኣ ክሳብ ንኣቱ ግን ከም ሓሰኸ፡ ዓለም ከም ጉዕ ክትጥዕመና ኣሎዋ።ንሳ ዘይኮነት ትጽመመና፡ንሕና ኢና ክንጽመማ ዝግበኣና።ሓሰኻ ደኣ ተጸመመ እምበር፡ጉዕ ኣይተጸመመቶን።ዝገርመኒ እዚ ሓሰኻ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ነታ ጉዕ በሊዑ ጥራሕ ኢዳ ከትርፋ ከምዝኽእል ኣመንኩ።ሰብውን ኣብዛ ብሓጥያት ከም ጉዕ በርበረ እትመርር ዓለም፡ዋላ ደኣ ይቀመጥ እምበር፡ከምቲ ኣብ ጉዕ ዝኸተመኡ ሓሰኻ እንተተጸሚሙ፡ሓጥያታ ሲዒሩ ንሱ ምልምል ወዲ መንግስተ ሰማያት ኮይኑ ክቐርብ ይኽእል ኢዪ።ምኽንያቱ ምድሪ ከም ጉዕ እካ እንተመረረት፡ንሕሰም ምረታ ንዝጻወር ሰብ ግን ከም ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ ዘይሓልፍ ኣኽሊል ተነቢርሉ ኣሎ።
ወይ ዓለም፡ነቲ ደቂቕ ፍጥረት ሓሰኻ ምድፋር ሰኣነቶ፡ነቲ ሰለስተ ዓመት ዝኣክል እግሪ እግሪ ጎይታ እንዳኸደ ወንጌል ዝጸገበ ይሁዳ ግን ደፈረቶ።ሓሰኻ ብጥበቡ ንዓለም ምችእቲ ከምትኸውን ገይሩ ሰዓራ፡ይሁዳ ግን ብዕሽነቱ ኣብ ዓለም ተጣዒስካ ምምባር ምረት ኮይና ተሰመዓቶሞ ተሓንቀ።ንሓሰኻ መቀረቶ፡ንሰብ ግን መረረቶ።ሓሰኻ ለበመ፡ሰብ ግን ሰርሲሩኒ ኢሉ ንድሕሪት ሃደመ።
ወስብሃት ለእግዚኣብሄር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።

ንሱ ብፍቕሪ ከርክበና ንሕና ግን ብግብርና ርሓቕናዮ።

ኣብዛ ምድሪ ብንገብሮ መዝሙር ውዳሴ፡ኣብ ሰማያት ቅዱሳን መላእክቲ ብግብርና ተሓጊሶም ክዘሉ ምሳና ክዕልሉ እንከለዉ እንተዝረኣዩና፡ጽድቅና ምዝማርና ክንደይ ኮን ምወሰኽናሉ፡ክንደይ ምነሃርናዮ።
በንጻሩ ኣብ ጛይላ ኬድና ክንስዕስዕን ክጭፍርን እንከለናከ፡ኣጋንንቲ ኣብ ሲኦል ኮይኖም ስለቲ ዘታለሉና ክሕጭጩን ክባጨውን እንከለዉ እንተዝራኣዩና ክንደይኮን ካብ ጛይላ ምሃደምና!
ለካ እዚ ኩሉ መዝሙር ንምዝማር ንዝሕትል ዘለና፡ቅዱሳን መላእክት ምሳና ክዕልሉ እንከለዉ ንኸይንርኢ ሕልናና ስለዝዓጸናዮ ኢዩ።
ለካ ናብ ጛይላ ኬድና ክንስዕስዕን ክንጽለልን ንውዕሎ ንሓድሮ ዘለናስ፡ኣጋንንቲ ኣብ ሲኦል ኮይኖም ስለቲ ዝቐሸሹና ሓጎሶም ይገልጹ ከምዘለዉ ንኸይንርኢ ሕልናና ስለዝዓጸናዮ ኢዩ።
ወገነይ፡ዘለኻዮ ኩነት መን ይሕጎሰሉ ኣሎ፡ሓሲብካሉ ትፈልጥዶ፧ኣጋንንቲዶ ቅዱሳን፧እግዚኣብሄርዶ ድያብሎስ፧ስለ ናይ መን ሓጎስ ትጽዕት ኣሎኻ፧ ምላልባሽ ንስኻ ትሕጎሰሉ ዘለኻ ይመስለካ ይኾውን።ቀንዲ ተሓጛሲ ግን እቲ ዝለኣኸካን ከምኡ ንኽትገብር ኣብ ሕልናኻ ሕሹኽ ዝበለካን ኢዩ።
ዕላማኻ ንስለ ሓጎስ ፈጣሪኻ ተዝኾውን ሂዎት ምረኸብካ።
ኣየ ነብሰይ ትጽዕርሉ ዘለኺ ጉያ ስለ ክብርኺ ስለዝኾነኮ ኢኺ ምሉእ ሓጎስ ሲኢንኪ ዘለኺ።ንስኺ ድኣ ፍጥረት እንዲኺ።ፍጥረትዶ ምሉእ ሓጎስ ክህብ ይኽእል'ዩ፧!እዚ ሰይጣን ዝመሃረኪ ምኽሪ ሰይጣን ኢዩ። ስለክብርኺ ምምባር ንዮ በልዮ።ንስኽስ ስለ ክብሪ ፈጣሪኺ ስለ ሓጎስ ፈጣሪኺ ደኣ ተጋደሊ።ሽዑኡ ኢኺ ሓጎስ ትረኽቢ።

ሓደ ግዜ ንሓንቲ ኣደ ተመልከትክዋሞ፡ሕጻን ወዳ ቀልቀል ክጽይቓ፡ልዛይ ክልዝየላ፡ንፋጡ ነቲ ጽሩይ ጻዕዳ ክዳና ከባላሽዎ ረኣኹ።እታ ኣደ በዚ ተቖጢዓ ኣብልዕሊቲ ህጻን ጽልኢ ክትገብር ትጽበዮ ክንሱ፡ምስኡ ዘለዋ ጥቡቕ ፍቕሪ እናሻዕ ካብ ውሽጣ ይንህር ነበር።በቲ ካልእ ጫፍ ድማ ሰብኣያ ብንእሽቶ ተቖጢዑ መጺኡ "ኣንቲ ከምዚ!"ኢሉ ጸረፋሞ ምስቲ ብዓል ቤታ ዝነበራ ምሉእ ፍቕሪ በኒኑ ተረፈ።ስለዚ ገረመኒ።"ሓቐኛ ፍቕሪ ኣየናይ ኢዩ!" ኢለ ንነብሰይ ሓተትክዋ።ሕልናይ ድማ መለሰለይ።"እግዚኣብሄር ንወድሰብ ልክዕ ከምዛ ኣደ ንህጻና ፡ፍቕሩ ኣባና ኣብ ጸጽባሕ ነሃረ።ካብቲ ኣብ መስቀል ዝዓደገና ንላዕሊ፡ሕጂ ዝዕገሰና ዘሎ ይበዝሕ።ሽዑኡስ ተሰቒሉ ተኸትኪቱ ኢዩ ዓዲግና።ሕጂ ግን ካብ ባርነት ዓዲግና ከብቅዕ፡ኣይንደልን ባርነት ይሕሸና ክንብሎ ኣይፈንፈነናን።ከምቲ እታ ኣደ ንህጻና ክሳብ ዝጉብዘላ ሽንቱ እንዳጸረገት ፍቕራ ትምጥዎ፡እግዚኣብሄር ድማ ክሳብ ብመንፈሳውነት ንድልድል፡ክሳብ ምጽኣት ሓጥያትና እንዳጾረ ብትዕግስቲ ይጽበየና ኣሎ፡ተመስገን።እዚኹሉ ንምሉእ ዓለም ብደሙ ዝሓጸባ፡ዓለም ግን ምስ ሓጥያት ይሕሸኒ በለት።ወገነይ ተመልከት!ክጽየፈና ዝግብኦ በንጻሩ ኣባና ዘለዎ ፍቕሪ ዓዘዘ።ንሕና ግን ብንእሽቶ ሻሞጥ ብሰንኪ ግብርና እንተ ቐጺዑና ክንመልስ ዝግብኣና በንጻሩ ኣማሪርና ካብ ፍቕሩ ሃጽ በልና።ንሱ ብፍቕሪ ከርክበና ንሕና ግን ብግብርና ርሓቕናዮ።

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...