tirsdag 28. mai 2019

ንሕና ኣብ ቤተ ክርስትያን መን ኢና?


በስመ ሥላሴ! 
ንሕና ኣብ ቤተ ክርስትያን መን ኢና?

√ ንሕና ኣብ ቤተ ክርስትያን ተምሃሮ እምበር መምሃራን ኣይኮንናን።
√ ንሕና ኣብ ቤተክርስትያን ሓጥኣን'ምበር ጻድቃን ኣይኮንናን።
√ ንሕና ንቤተክርስትያን ብጽሞና እንሰምዓን እንኣምናን እምበር፡ ከነእምናን ክንምልሰላን ኢልና ኣይንህንደድን።
√ ንጎይታና ብመንገዳ ንምህጾኖ እምበር፡ ንሳ ብመንገድና ዘይተማህጸነቶ ኢልና ኣይነዕገርግርን።
√ ኩሉ ዘለና ሃብተ መንፈሳዊ ካብኣ ተቐበልና እምበር ፡ ንዓኣ እንውስኸላ ሃብቲ ዘሎ መሲልና ምስ ልዕሊ ዓቕምና ኣይንወዳደርን። ቅንጣብ ትኹን'ውን እንውስኸላ የለን።

√ ብርግጽ በቲ ናታ ሓይሊ ብዙሓት ቲፌዞ ኣጥሪና ኢና፡ እዚ ገበን'ዩ፡ ብሕገ-ፈጣሪ ይኹን በሕገ-ተፈጥሮ'ውን የሕትት'ዩ። ስለዚ ነዞም ናትና ዝገበርናዮም ከይወዓልና ከይሓደርና ንቤተክርስትያን ነረክቦም። እምበርከስ ናታ እምበር ናትና ኣይኮኑን። ንሕና ኣብ ቅድሜኣ ባዶ ምኻንና ተረዲእና ብጸጋኣ ክንመልእ ንጽዕት'ምበር፡ ዝመለአ ሰብነት ዘለና መሲልና ካብ ሑቕፋ ስድሪ ኣይንፍተትን።
√ ንሕና ንቤተክርስትያን ንሓታን ብመልስታታ'ውን ብምሉእ ልብና ንዓግብን'እምበር፡ በቶም ንሳ ዘላለየትና መጽሓፍትን፡ ባዕላ ዝመሃረትና ሕጋጋትን ገይርና፡" ከነረድአ ፡ ክንምህራ ክንውጥራ" ክንብል ኣይንደፍርን።
√ ብሕጋ ንቕየድ እምበር፡ ብሕግና ክትቕየደልና ኢልና ኢድና ኣይነወጣውላን። "ደጊም ቅድስነኣ ፈሪሱ'ዩ" ብምባል ሰይጣን ይጻረራ ብምህላዉ ዘገርም ይመስል። ንሳ ግን ካብ ጥንቲ፡ ብሕገ ልቦና ጀሚራ ካብ ፈጣሪኣ ፈጺማ ኣይተፈልየትን። ይጻረራ ምንባሩን ክሳብ ሕጂ እረ ክሳብ ምጽኣት ካብ መንቀኝነቱ ከምዘይዓርፍን'ውን ትፈልጥ' ያ።

√ ብፍላይ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን፡ ምስቲ ዝነበረ ደጋዊ ምትእትታው ዝነበራ ተጽዕኖታትን ተጻብኦታትን ከይተሓለለት፡ ኣብ ሕገ ልቦና፡ ንለባውያን ብቕድስናኣ ኣለቢማቶም። ኣብ ፍላመ ናይ ሓዱሽ ኪዳን፡ ንድግል ማርያም ምስ ወዳ በቲ ዘየጥፈአቶ ክብራ ገይራ ኣእንጊዳቶም። ኣብ ዘመነ ምህዞን ሰንዓን ፊደላት፡ ቅድሚ'ተን ጥንታውያን ሰብ ፊደል ተሰሪዓ ብምጽናሕ፡ ነቶም መሃዝቲ ፊደል ድሕረ ምንጻፍ ሒዛ ጸንሓቶም እሞ፡ ካብቲ ናታ ድሕረ-ባይታ ተበጊሶም "ካዕብ፡ ሳልስ፡ ራብዕ፡ ኀምስ፡ ሳድስ ሳብዕ" ኢሎም ክፈላሰፉ ኣተባበዐቶም። ብግዜ ሰማእታት፡ ንጽሕቲ መዕቆቢት ደብረ-ቅዱስ ኮይና ንብዙሓት ቅዱሳን ሓቖፎቶም። ኣብ ዘመነ ቱርኪ ን 300 ዓመታት ብንጽሕናኣ ተቓሊሳ መኪታን ሰዓረቶም። ዓቕሞም ተሓለለ'ምበር ኣየፍረስዋን!ከመይ ኢሎምከ ንቅድስናኣ ክደፍርዎ፧ ኣብ ዘመነ ጥልያን ብፍጽምናኣ ክሳብ 50-60 ዓመታት ሞጊታቶም።

√ እሂ! የለዉን ድዮም እንሕበነሎም ኣብነታውያን ቅዱሳን ኣኣብ'ዚ ዝተጠቕሰ ዘመን፧ ማለት ካብዛ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን'ዚኣ ማለተይ'የ፧ መሊኦም'ባ! ኣብ ዘመነ እንግሊዝ፡ ብዶግማውን ተውፊታውን ፍጹምን ቅዱስን ዝኾነ ባህሪኣ ገይራ ንምንፍቕናዊ ሽበራኦም ረቲዓቶ'ያ። ቅድስናኣ ግን ክሳብ ሕጂ'ውን እንተኾነ ኣይተበረዘን። ን300 ዓመታት ዝኣክል " ኣብ ትሕቲ ግብጺ ስለዘይተቖረንኪ ቅድስና የብልክን" ኢሉ ፈጣሪ ኣይነቐፋን። ኣብ ዘመነ ቱርኪ ማለት'ዩ።  ን50-60 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ስለዘይነበርኪ" ኢሉ ኣመኻንዩ ፈጣሪኣን መርዓዊኣን ቅድስንኡ ኣይነፈገላን። በንጻሩ እኳ ደኣ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዘመናት፡ ካብተን ከምኣ ዝኾና ኣሐታ ዘይሰንፍ በረኸት ከምዘውሓዘት ንፈልጥ ኢና። ብዙሓት ካብቲ ዘይነጽፍ መንፈሳዊ በረኸታ ከምዝተባረኹ ዕድሜና ዝምስክሮ ሓቂ'ዩ። በረኸቶም ድማ ክሳብ ሕጂ ኣሰር ኮይኑ ብዓይንና ይረኣየና እንዳሃለወ ክንክሕዶ ኣይከኣለናን።

√ ከምኦም፡ ከምዞም ኣብ'ዚ ዘመናት'ዚ ዝተጠቕሱ ቅዱሳን፡ ብስማ ከምእንቕደስ ተስፋ ንገብር እምበር፡ ንሕና ምስዝሓከሉ ኣይንሕክልን፡፡ ብድፍረት ድማ ብልሳነ ኣጋንንቲ ገይርና ኣይንዝልፋን።
√ ንሳ ንዓና ዝቕድስ እምበር ዘጸይን ባህርይ ስለዘየብላ ኣይንጽየፋን።
√ ርግጽ'ዩ፡ ሰይጣን ንቤተክርስትያን ከምዝጽየና ንፈልጥ ኢና። ብመንገዲ ካህናት ዝወሃብ ባርኾት ከምዘይፍተዎ'ውን ይርደኣና ኢዩ። እቲ ካብ እግሪ ጳጳሳት፡ ኤጲስቆጶሳት ቆሞሳት ቀሳውስት ዝፈስስ ወሓዚ መንፈሳዊ ባርኾት ጸርጊፍዎ መታን ከይከይድ ስለዝፈርሕ'ዩ ከኣ፡ ሰይጣን ናብ ቤተክርስትያን ቀሪቡ ክብሪ ክህባ ዘይደሊ። ብማዕዶ ኮይኑ ግን በንጻሩ ንልኡኻታ ክነቕፎምን ከናሽዎምን ይብረሆ።
√ ጠንቁ እቶም ኣቦታት ስለዝበርትዕዎ ጥራይ ኣይኮነን፡፡ እዞም ልኡኻታ ኣብታ ቤተክርስትያን ምህላዎም ንዑኡ ነዚ ርኹስ መንፈስ እኹል ዘባህርር ሓይሊ ኢዩ።
ንሕና ግን ከም ቅዱሳን መልኣኽቲ ናብ ውሽጣ ክንእከብ ንፈቱ እምበር፡ ከም ኣጋንቲ ማዕዶ ማዕዶ ኣይንብልን።

√ እሞ ንሕና ሓይሊ ቤተክርስትያን ከምዘይደኸመ ንኣምንን ንምሕጸንን እምበር፡ ከም ሰይጣን ኮይንና ንክብራ ንምንሻው ልሳንናን ልቦናናን ኣሕሊፍና ንጸረ ሰናያት ኣይንህብን።
√ ተኸኣልናስ ነቲ ካብ ታተ ኣሳጉማና ኣጀሚራ ክሳብ ብደውና እንረግጽ ዘሳለየትልና በዓልቲ ውዕለትና ቤተክርስትያን ነመስግናን ንምስክረላን እምበር፡ "ረኺሳ ኢያ" ኢልና ልሳንና ኣብ መስቀል ናይ ዝተኣስሩ ኣጋንንቲ መሳርሒኦም ክትከውን ኣሕሊፍና ኣይህብን።
√ ተረኺሳኮ ናትና ቅድስና'ውን ኣይሕሰብን ዩ። ብጥምቀት ዝተቐበልናዮ ጸጋ ኣይሕሰብን። ዝተሸምናዮ ሽመት ኣይሕሰብን። ዝተማሃርማዮ ትምህርቲ ኣይሕሰቡን።እሞ ከምኡ ተኾይኑ፡ ንዮ ኣብቲ ማዕዶ ኬድና ምጥማቕ ከድልየና ዩ። ሽመትና ተዘይተሓሲቡ'ውን ከምበሓድሽ ምሻም ከድልየና'ዩ። ከመይ ኢልናኸ ረኺሳ ኢያ ኢልና ደፈርና፧ ቤተክርስትያን ግን 10 ዓመት ይኹንሲ ንሓንቲ ሰከንድ እዉን ትኹን ክብራን ቅድስናኣን ከምዘይቀነሰት ንኣምን ንእመንን እምበር፡ ብምኽሪ ድያብሎስ፡ ንድያብሎስ ከነሐጉስ ክንብል ዝሃበትና ሕሉፍ ክብርታት ኣሕሊፍና ንርኽሰት ኣይንህብን።ተኸኣልናስ ብተጋድሎኣ ንጸናናዕ፡ ብተስፋኣ ድማ ንጸንዕ'ምበር ጥሪት ከንቱ ንምርካብ ምስቶም ከንታውያን ጸላእታ ኣይንሓብርን።

√ ንሕና ኣብ ቤተክርስትያን ኣብ መስቀል እምበር፡ ኣብ ሶፋ ከምዘይምህላውና ንፈልጥ፡፡ ስለዚ መከራ ቤተክርስትያን የሕመና፡ ኣብ ውሽጣ ኮይና ድማ ንቕንዞዎ።ብትዕግስታዊ ቃንዛኣ ገይራ፡ ማዕረ'ቲ ዝተዓገስናዮ ከምትናዝዘና ድማ ንኣምን። ምቾት ቤተክርስትያን'ውን ይምችኣና'ዩ፡ ኣብ በዓላታ ከኣ ብፍሰሃ ብሐሴት ሓቢርና ምስኣ ንዝምር እምበር፡ መከራኣ "ኣሕሚሚኒ" ኢልና ኣይንጠልማን፡ ምቾታ "ጥዒሚኒ" ኢልና'ውን፡ መጋበሪ ስጋዊ ጥቕምና ኣይንገብራን።
√ ንሕና ቤተክርስትያን ኩሉ ከምዝገበረትልና ንኣምንን ነመስግንን እምበር፡ ብምሒር ስጋዊ ሲሰዐ፡ "ጥቕማ-ጥቕሚ ከም ዝተነፍገና" ኮይንና ካብ ቤተክርስትያን ኣይንሕክልን። ንዝተመነናዮ ዝሰኣንናዮ መሲልና ኣይንዝልፋን።
√ ንዝረኸብናዮ ብቕልጽምና ዘምጸናዮ መሲልናውን ንንየተሉ ዓቕሚ የብልናን።
√ ብምኽኒት ንውድሳ እምበር፡ ብምኽኒት ኣሕሊፍና ንጓና ኣይንህባን።
√ ንሕና እቲ ትማል ኣብ ቅድሚ ኣውደምህረታ" ህዝበይ መሃሩ" ኢላ ቃላ ምስ ሃበትና ዝነበረና ኮልቶፍ-ቶፍን ወታእታእን፡ ንሳ እተርእየና ዝነበረት ትዕግስትን ዓቕልን ዘዘኪርና ነመስግን'ምበር፡ ጨሪስና ሕጂ-ሕጂ ካብ ሰማይ ከም ዝወረዱ መላእክት መሲልና ልዕሊኣ ሊቅ ክንኮነላ ኣይንህቅንን።
√ከመይ ኢልናኸ ክንደፍር!

√ ስለዚ ማንም ወዲ ቤተልርስትያን፡ ንቤተክርስትያን ልዕሊኡ ምኻና ይእመን። ድያብሎስ ንዕቤታን ኣገልገልታን ክወቅስን ከናሹን ካብ ዝጅምር ነዊሕ ኣቕጺሩ'ዩ። ክንዮ'ዚ'ውን ንሱ እቲ ጸረ-ሰናያት፡ ንደቂ ቤተክርስትያንን መራሕታን ክውድሶምን፡ ዝናኦም ከም ናይ ዓለማውያን ልዕል-ልዕል ከምሎን ንጽበ ተሊና ጨሪስና ተጋጊና ኣለና። ሰይጣንሲ ተተኻእሎ'ኳ ንቤተክርስትያን ተወር ኢሉ ዝኸይድ ሰብ ከይህሉ ኢዩ ሕልሙ። እሞ ማንም ወዲ ቤተክርስትያን ውዕለቱ ክመልስ ኢሉ ናብዛ ቤት ይገስግስ እምበር፡ ደቃ ከባርር ኢሉ ከይመጽእ።
√ ደቃ ከነባርር ተኾይኑ ዕላማና ግን ኣይንምጻእ ንግደፎ፡ እምበርከስ ናይ ነፍሲ ወከፍ ዝጠፈአት በጊዕ ክርስቶስ ተሓተትቲ ምዃንና ኣይንዘንግዓዮ።
√ ይዝከረኒ ወዲ 7-9 ዓመት እንከለኹ። 1992-1993 ኣቢሉ ይኸውን ካህን ክመጽእ እንክንሪኢ እንዳጎየና እግሩ ንምስላም ንቀዳደም ምንባርና ኣጸቢቑ ይዝክትሮ'የ። ንሕና እቶም ህጻናት ዝነበርና ጥራይ ዘይኮንና'ውን፡ እንኮላይ እቶም ዓበይቲ ዝነበሩ ከይተረፈ፡ ነቶም ካህናቶም ፍጹም ክብሪ ከርእዩ እግሮም እንክሳለሙ ብዓይነይ ዝረኣኽዎ ኣጸቢቐ ዝዝክሮ'ዩ።
√ ሎሚ ንሕና ተተኸኣለና ነዚ ክብሪ'ዚ ክንዕቅቦ ንጽዕር'ምበር፡ ንዘይተበረዙ ክብርታታ ክትብርዝ ምህቃን "ናይ ለባማት ባህርይ'ዩ" ኣይንብል፡፡ በንጻሩስ ክብሪ ቤተክርስቲያንን ክብሪ መራሕታን ምብራዝ ናይ ኢኣማንያን ጠባይ ምዃኑ ንፈልጥ።

√ስለዚ ኣመንቲ ንኹን!

√ እምበኣር ንሕና፡ ቤተክርስትያን ንዝወለደቶም ክቡራት ኣካላት፡ ካብ ህጻናቶም ጀሚርካ ክሳብ ዓበይቶም ውሉዳ፡ ኣኽበርትን ኣብ ቅድሜኦም ትሕት እንብልን ክንከውን'ምበር፡ "ቅድም ንሳቶም ተዘየኽበሩና" ኢልና ብትዕቢት ክንውጠር ግቡእ ኣይኮነን። ተገበርናዮ'ውን ንርገም እምበር ኣይንምረቕን። ክርስቶስ ኣሽንካይ'ዶ ንደቁ፡ ንኹሉ ብምስሉ ዝተፈጥረ ሰብ ከነኽብሮ፡ ከነፍቅሮ ጸውዒና' ዩ፡፡ ጻውዒት ጥራይ ዘይኮነ ድማ ኣዚዝና'ዩ።
√ ንሕና ድማ ዘይከበረ እንተሎ ክብሪ ቤተክርስትያን ከነርእዮ ኢልና ሃሰው ንበል እምበር፡ ነታ ብክርስቶስ ዝኸበረት ቅድስት ቤተክርስትያን ከነዋርድ፡ "ትሕተይ ዘይተምበርከኸት ኢልና "ኢድና ከነወጣውጥ ፍጹም ድፍረት 'ዩ።
እግዚአብሔር ኣጽራረ ቤተክርስትያንን ሓይሎምን የድክመልና።
ወስብሐት ለእግዚኣብሔር

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...