tirsdag 9. januar 2018

ቀሊሜንጦስ 6,፣21.ኣዳም ዓሻ ኮይኑ ኣይተፈጥረን ኣስተውዓልን ብልሓተኛን ኮይኑ ኢዩ ዝተፈጥረ ካብ ናይ ጥበቡ ብዝሒ ዝተበገሰ ንኹሎም ፍጡራን በብስሞም ሰየሞም።
ቀሊሜንጦስ 6,፣54.በደል ክትበዝሕ ኢያ ደናግል ኣንስቲ ሕፍረተን ክቕላዕ ኢዩ ኣቦ ንውሉዱ ውሉድ ድማ ንወላዲኡ ክኽሕዱ ኢዮም ኣገልጋሊ ንኣስራሒኡ ክኽሕድ ኢዩ ኣደ ንውሉዳ ውሉድ ድማ ንኣዲኡ ክኽሕዱ ኢዮም ኣገልገልቲ ኣብ ልዕሊ ሓለፍቶም ትዕቢት ከርእዩ ኢዮም እመቤት ክትነዓቕ ኢያ እታ ሰራሕተኛኣ ድማ ከም እመቤት ክትከውን ኢያ መንእሰያት ንሽማግሌታት ንዒቖም ኣብ ላዕሊ ክቕመጡ ሽማግሌታት ድማ ኣብ ታሕቲ ክቕመጡ ኢዮም።

mandag 8. januar 2018

በእንተ ግልጸተ እግዚብሔር ለኩሎሙ ፍጡራቱ 3ይ ክፋል።

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።
ሕጊ ክሕገግ እንከሎ፣እቲ ሓጋጊ ሕጊ ርሑቕ ጠመተ ናይ ሓቂ ስለዘማዕዱ ኢዩ።ኣብዛ ዓለም ዘለዉ ሓገግቲ ኪደት፣ንባዕሎም ብሰንኪ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ምኻኖም ምሉእነት የብሎምን፣ስለዚ እቲ ዝብይንዎ ብያነ ፍጹምነት ኣይህልውን ስለዝኾነ ብዙሓት የግረምሩሙ ብዙሓት ድማ ይድሰቱ።ስለዚ ሰንኪ ፍጡራዊ ሕግነቶም፣ልቢ ብዙሓት ሓላፍ ዘላፍ ይኾውን።
ሰብ ሓንቲ ነገር ክግንዘብ ክግደድ ነይርዎ።ፍጡር ምኻኑ ምእማን፣ፍጡር እንተኾይኑ ከኣ፣ብዘይ ፈጣሪ ፍጡር በይኑ ከምዘይቆውም ምርዳእ ኢዩ፣ፈጣሪ እንተልዩዎ ድማ መን ኢዩ ፈጣሪየይ ኢልካ ስለህልውና ፈጣሪኡ ንዘለዎ ርድኢት ኣብ ጸጽባሕ ሃሰው ክምዝብል የእንፍተሉ።እዚ ድማ ብጉልቦታዊ ኪደቱ ክበጽሖ ስለዘይክእል፣እዚ ንኡስ ኣእምሮ ፍጦር ተመጣጢሩ ክበጽሖ ዘይክእል ንላዕሊ ክንዮ ኣድማስ፣ንታሕቲ ድማ ጥልቀታት ባርባሮስ ዘይልክዕዎ ፈጣሪ፣ገናና ስለዝኾነ ኣንታ ኣብ ርሑቕን ኣብ ውሽጢ ልበይን እትነብር ፈጣሪ፣ህልውናኻ ንኽርዳእ ንኣእምሮይን ሕልናይ ዝፈጠርካ ፈጣሪ፣ ልበይ ክፈት ኢሉ ካብ ፈጣሪኡ ሓገዝ ክሓትት ይግደድ።
እዛ ኣብ መንጎ ፈጣርን ፍጡርን ዘላ እምነት ንባዕላ ብዘይ ፍታው ፈጣሪ፣ብጉልቦት ፍጡራት ጥራይ እትቐውም ኣይኮነትን።እዚ ግን ካባና ካብ ፍጡራን እንዓዮ ተራ ኣልቦ ኢዩ ማለት ኣይኮነን።ኩሎም ቅዱሳን ነዛ ሃይማኖትዚኣ ብመንፈሳዊ ጉልቦቶም ከይወሰኹሉ፣ብሰንኪ ስጋዊ ድኻማቶም ድማ ከየግደሎ፣ህልውና እግዚኣብሔር ብፍቓዱ ግሁድ ኮነ።
እዚ ንደቂ ሰባት ዝተዋህቦ ግህዶ ወይ ግልጸትዚ ኣብ ሰለስተ ከፋፊልና ክንርእዮ ይከኣል ኢዩ፣፣
1) ኣስተርእዮ ቅድሚ ሓዱሽ ኪዳን፣
እዚ ካብ ኣቦና ኣዳም ጀሚሩ ክሳብ ልደተ ክርስቶስ ኣምላኽና ዝነበረ ግልጸት ኢዩ።ቅዱሳን ንህልውና እግዚኣብሔር ብመልክዕ ጽላሎት ኣእምሮኦምን ዘመኖምን ብዝኽእሎ ምጣኔ፣ እግዚኣብሔር በብዝተፈላለየ ግልጸት ይረኣዮምን ህልውንኡ ይኽሰተሎምን ነበረ።ንኣብነት፣ንኣዳም፣ኣበይ ኣሎኻ፣እትብል ሕቶ እትመስል ግን ከኣ ህልውንኡ እተዘኻኽር ብናይ ንስሓ ጻውዒት ጸውዖ፣ኣዳም ድማ ብመሪር ጣዕሳ ህልውንኡ ካብ ናይ ዓንተዎኡ ዝያዳ ኣብዛ ሰዓትዚኣ ንሕንቕንቕኡ ኣስቆርቆረቶ።ዘፍ 3,፣9 እዛ ድምጺ እዚኣ ኣእምሮ ኣዳም ክስከማ ዝኽእል፣ንሕልንኡ ድማ እትምችእ ድምጺ ኢያ ነይራምበር፣ኣተባህርርን ከም ናይ ከቢድ መሳርያ ኪናት ንየእዛን እትቐድድን ድምጺ ኣይነበረትን።
ቀጺላ ልሳን እግዚኣብሔር፣ ሕጂውን<< ኦ ቃኤል፣ኣቤል ሓውኻ ደኣ ኣበይ ኣሎ>> ኢላ ሕልና ቃኤል ክስከሞ ብዝኽእል ነጎድጋድ ድምጺ ተገልጸትሉ። እዛ ድምጸ ልሳንዚኣ ሓጢኣት ትቃጸወካ ኣላሞ ተጠንቀቐላ ኢለካ ከብቅዕሲ ስለምንታይ ደኣ ሰነፍካ፣ዝብል ወቓሲት ጻውዒት ብዘለዋ ድምጺ ጨደረት።ዘፍ 4፣9 እዚ ድማ ቃኤል ዋላካ ልቡ እንተተረረ፣ብሕልንኡ ከምዝውቀስን እንዳቕባሕብሐ ከምዝነብርን ገይራቶ ኢያ።
2)ኣስተርእዮ ኣብ ግዜ ሓድሽ ኪዳን፣
እዚ ድማ ፍልይ ብዝበለ ኢዩ።ከምቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ብፍታዉ እግዚኣብሔር ዝግለጾ ዝነበረ፣ሕጂውን ካብኡ ብዝጎለሐ ክግለጽ ጀመረ።እቲ ዘገርም ነዚ ግልጸትዚ ሰብ ኮይንካ ንሰባት ምስጢሩ ክገልጽ ክመርጽ ምኻኑ ኣብ ዘመነ ብሉይ ብስእላዊ መልክዕ የተስፍዎም ከምዝነበረ፣ሕጂ ቱርጋሜ ኮይኑ ተገልጸ።ኣብ ማህጸን ብፍቓዱን ብፍታዊ ደቂ ሰባትን፣ኣብ ድንግል ኣብ ማህጸና ድቂ ኮይኑ ተጸንሰ፣ከምቲ ሕገ ተፈጥሮ፣ብዘይካ ሓጢኣት ንበይና በብቑሩብ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ዓበየ።ብሓንቲ ሰከንድ ከም ዕንበባ ሱፍ፣ሓፍ ኢሉ ብሓንቲ ቃሕ ሰብ ክዓቢ ዝኽእል ኤልሻዳ ክንሱ ኣእምሮና ክስከሞ ብዝኽእል፣ንሕልናና ዝመጣጠን፣ ዝያዳ ካብ ብሉይ ኪዳን ሕጂ ኣብ ሓዱሽ ኪዳን ህላዌኡ ንክንርዳእ ኣመቻችኣልና።ርቀቱ ከረድእ ክብል ካብ ማህጸን ብሕቱም ድንግልና ተወልደ፣ስጋና ከይፈንፈኖ ምልባሱ ንክምህር ድማ፣ ኩሉ ናይ ሰብኣውነት ብዘይካ ሓጢኣት ንበይና እረ ክሳብ ሞይትካ ኣብ መቓብርን ሲኦልን ምእታው ተዓገሰ።ኣብ ዙፋኑ ከቢሩ፣ኣብ ሲኦል ተደቢቑ ዝነብር ገናና ክንሱ፣ሕጂ ግን ምእንቲ ግልጸቱ፣ስለደቂ ሰባት ክብል ክሳብ ክንድዚ ተዓገሰ።እቶም ኣብ ምድሪ ዝነበሩ ዝነበሩ ህላዌኡ ተረዲእዎም << ካባኻሞ ናበይ ከነብል፣ንስኻስ ናይ ዘልኣለም ሂዎት ዝህብ ቃል ኣሎካ>> ኢሎም፣ ክርስትያን ኮኑ፣እቶም ኣብ ሲኦል ዝነበሩ ዝነበሩ ድማ እቲ ተስፋ ምፍጻሙ ፈሊጦም ብብርሃናዊ መለኮቱ ሓርነት ተኣወጀሎም።ነዚ ቅዱስ ጳውሎስ ከመልክት እንከሎ፣<<ኣምላኽ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ መገድን ቀደም ነቦታትና ብነብያት ገይሩ ምስ ተዛረቦም፡ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንኣና በቲ ወራስ ኵሉ ዝገበሮ ብእኡውን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተዛረበና፡እብ1፣1=2 ኢሉ ይምስክር።እዚ ሕጂ ተወሊዱልና ኢልና ወትሩ ዓመት መጸ ብልደቱ እንቕደስ ክቡር ፈጣሪ፣ለካ ጥንታዊት ልደቱስ ዘመናት ዘይልክዓ ምኻና በዛ ናይ ሎሚ ልደቱ ክንግንዘብ ኣኽኣለና።ብናይ ሕጂ ግልጸቱ ነቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ኣምልኾና ዝያዳ ከምዝጥንክር ገይርዎ ይርከብ።ኤርትራ ሃገርና፣ካብዚ ናይ ብሉይ ኪዳናን ኣምልኾ ተኻፋልት ከም ምምባራ መጠን፣ኣብ ሓዱሽ ኪዳን ድማ ካብቶም ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ደቂ ሰባት፣ከም እስራኤል ቀዳመይቲ ተኻፋሊት ተስፋ ክርስትና ኮይና ኣብ ግዜ ልደቱ ኣእንገደቶ።እቶም ሰብ ተቐማጦ ይሁዳ ንዝነጸግዎ ክርስቶስ፣ ኤርትራውያን ህዝቢ ግን ተቐቢሎም ኣእንገድዎን ኣገልገልዎን።ብልሳን ኣዲኡ ድንግል ማርያም ገይሩ ድማ እሙን ፍጻሜ ተስፋ ናይ ሓድሽ ኪዳን ኣብ ደብረ ሲና ኣሰር ገዲፍልና ከደ።ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣፍሪቃ ክርስትና ኣሎ ተባሂሉ ዝዝንቶ ዘሎ ሓቃዊ ዛንታ፣ቀስቱ በቶም ኤርትራውያን ህዝቢ ኣቢሉ ዝፈለመ ምንባሩ ዝተኣመነ መዝገብ ኢዩ።
3) ኣስተርእዮ ድሕሪ ምጽኣት፣
እዚ ዘመን እዚ፣ዝተለከዐ ግዱብ ግዜ የብሉን።ብርግጽ ምጽኣት ኣሎ፣ካብ ምጽኣቱ ንንዮ ክሳብ መዓስ ምኻኑ ግን ዝተገደበ ግዜ ኣይኮነን።ድሕሪ ምጽኣት ዘሎ ክውንነት፣እቶም ብገዛእ ኢዶም ብእሳት ክነዱ ዝመረጹ፣ይዋእ! ዘልኣለማዊ ቅጽዓት፣እቶም በገዛእ ኢዶም ብብርሃናዊት ኢዱ ክደምቁ ዝመረጹ ድማ ደስ ይበሎም፣ዘኣለማዊ ሞሳ ንምቕባል ደዶሞዞም ዝቕበልሎ ዘመን ክቕልቀል ኢዩ።ኣብዚ ዘመንዚ እቶም ሓጢኣን ብርእዮ ካብዚ ናይ ሕጂ ዝያዳ ሽዑኡ ብሰንኪ ብርቱዕነት መለኮታዊ እሳትነት ፣ብቃንዛ ኣስናኖም ክሕርቅም ኢዩ፣እቶም ቅዱሳን ድማ ሳላ ከሃልነቱ እንዳተገረሙን እንዳመስገኑን ክነብሩ ኢዮም።እቲ ሽዑኡ ዝፍጸም ግልጸተ እግዚኣብሔር ካብዚ ናይ ሎሚ ዘመን ብዕጽፍታት ይበልጽ ኢዩ።ሕጂ ንዑኡ ብዋግዋጎ ንርእዮ ኣሎና፣በዛ ኣብኡ ዘላትና መነጸራዊት እምነትና ገይርና ኣብ ማዕዶ እረ ኣብ ውሽጢ ሕልናና ተቐሪጹ ይረኣየና ኣሎ።ሽዕኡ ግን ብግህዱ ክረአ ኢዩ።ናይ ሕጂ ግልጸት ካብ ናይ ብሉይ ኪዳን ከምዝበልጽ፣ናይ ሽዑኡ ማለት ናይቲ ምጽእት ግልጸት ድማ ካብ ናይ ሎሚ ዝያዳ ዕጽፍታት ክበልጽ ኢዩ።ሕጂ ኣብ ግዜ ጾሎትናን ቅዳሴናን ቅዱሳኑ ምሳና ሰሚሮም ምህላዎም በዛ ኣብ ውሽጥና እትርከብ መነጸር ማለት እምነትና ገይርና ተዘይኮኑ፣ብግህዱ ንምርኣዩ ብቕዓት ኣይረኸብናን ንኸውን፣ድሕሪ ምጽኣት ግን ምስ ቅዱስ ሚካኤል ቅዱስ ገብሪኤል፣ምስ ቅዱስ ኡራኤል ፋኒኤል፣ ምስ እልፊ ኣእላፋት ቅዱሳን መላእክት ምስ ኩሎም ጻድቃን ሰማእት ጎኒ ንጎኒ ኮይንና ንሓድሕድና እንዳተረኣኣና ንዑኡ ድማ ብግልጸቱ እንዳተደሰትና ቅዱስ፣ቅዱስ፣ቅዱስ ኢልና ከነመስግኖ ኢና። << 1ዮሐ 3,፣2ኣቱም ፍቁራተይ፡ ሕጂ ውሉድ ኣምላኽ ኢና፡ እንታይ ከም እንኸውን ከኣ፡ ገና ኣይተገልጸን። ንሱ ምስ ዚግለጽ ግና፡ ከምታ ዘለዋ ኽንርእዮ ኢና እሞ፡ ንእኡ ኸም እንመስል፡ ንፈልጥ አሎና።>> ይብል። እቲ ናይ ሽዑኡ ግልጸት መመልሲካ ተገረም ተገርም ዘብለካ እጹም ድንግቂ ዝኾነ ግልጸት ኢዩ።እዚ ኩሉ ብፍቓዱ ዝገብሮ ድማ ስለለውሃቱ ክብል ኢሉምበር ናይ ማንም ጉልቦት ስለዝገደዶ ዘይምኻኑ ዝተኣመነ ሓቂ ኢዩ።
ስለዚ ግልጸት ህልውና እግዚኣብሔር ኣብ ልቢ ፍጡራት ንኽቕረጽ፣
1) ሰባት ፍጡራት ምኻኖም ክግንዘቡ የድሊ፣
2) ፈጣሪ ወይ ድማ ሰራሒ ከምዘለዎ ክእመኑ ይግባእ።
3)ሰራሒየይ ፈጣሪየይ ከመይ ይመስል ኢልካ፣በቲ እትኽእሎ ዓቕሚ ሃሰው ምባል የድሊ፣
4) ኣሰው ክትብል እንከለኻ ድማ፣ንልበይ ዝፈጠርካ ኣምላኽ ልቦናይ ብእትኽእሎ መጠን ህልውናኻ ኣረድኣያ ኢልካ ብትሕትና ንዑኡ ምምህጻን የድሊ።
5) ንዑኡ ዝፈለጡን ዝሰዓቡን ቅዱሳን ኣበው ገድሎምን መንፈሳውነቶምን ወትሩ እንዳተመገብካዮ ምምባር ይግባእ።
6) መንፈሱ ዝነፈሶ ዘበለ ኩላቶም ቅዱሳን መጽሓፍቲ ከይሸርመምካ፣ከይቆረጽካ ብምሉእ እምነት ምቕባል ግቡእ ኢዩ።
NB. መንፈሱ ካብ ቅዱስ ዕዮ ደው ኢሉ ኣይፈልጥን ኢዩ።ካብ ዘመነ ኣዳም ክሳብ ሓድሽ ኪዳን ደው ኣይበለን።ንሱ ደው እንተዘዪሉ ድማ፣ቃላቱ እዜን ጥራይ ኢየን ኢልካ ክትቁንጭል እይከኣልን ኢዩ።ሓሳባት እግዚኣብሔር ቀዲሕካ ዝውዳእ ዒላ ብዘይምኻኑ መጠን፣ክሳብ ምጽኣት ንዝፍጸም ክውንነት ድማ፣በብዘመኑ ንሱ ንክጸሓፍ እንተፈቒዱ ክትቅበሎ ፍጡራዊ ግቡእ ኢዩ። ገለ ገለ ሰንከፍ ሕልና ዝውንኑ ወገናት እዜን ጥራይ ኢየን መጽሓፍ ቅዱስ፣እዚኤን ጥራይ ኢየን ሓሳብ እግዚኣብሔር፣ ኢሎም ዝሽርምሙን ዝቆራርጹን ኣሎዉ።ንሱ እቲ ፈጣሪ ግን፣<<ማቴ28፣ 20 እነሆ ኣነ ድማ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ምሳኻትኩም ኣሎኹ፣>> ኢሉ ዘተስፈወ ቅዱስ መንፈሱ እሙን ቃል ኪዳን እረ ዘይታኸስ ጎይታ ምኻኑ ተረዲእካ ስራሑ ብሰንኪ ስንፍና ሕልናኻ ንስራሑ ደው ከተብሎ ኣይግባእን።፣ኩላቶም ኣብ ዘመነ ብሉይ ዝነበሩ ቅዱሳን ናቱ ተኸተልቲ ብናቱ ደገፍ ዝነበርዎ እሙን መንፈሳውነት ክሳብዚ ሕጂ ሓድሽ ኪዳን፣እረ ክሳብ ምጽኣት ንዘሎ ክዉን መንፈሳውነት፣ መንፈስ ቅዱስ ካብ ቅዱስ ስራሕ ምስራሕ ደው ክሳብ ዘይበለ፣ናቱ ኣገልገልቲ ብፍታዉ ፈጣሪኦም፣ንዝጸሓፍዎም መጽሓፍቲ፣ሓቅነቶም እታ መርዓቱ ቤተክርስትያን መመርሚራ ንደቁ እንዳኣእንገደት ትነብር ኣላ።እግዚኣብሔር ሕልናናን ኣእምሮናን ተቖጻጺሩ ንዑኡ እትስዕብ ካብ ፍትወተ ስጋ ሓራ ዝወጸት ሓዳሽ ልቢ ይፍጠረልና። ኣሜን።
ስብሀት ለእግዚብሔር ዘተከስተ ለነ በሰናየ ፈቃዱ፣
ስብሀት ለቅድስት ድንግል በክልኤ ማርያም እንተ ኣምጽአት ለነ ህብስተ ሰማያዊ፣
ስብሀት ለመስቀለ ክርስቶስ ኣምላክነ እለ ኮነ ሐይለ ትእምርት።

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...