lørdag 5. mai 2018

ኣእምሮ ዘመንጨዎም ሕቶታትን መልስታቶምን 4ይ ክፋል፣-

Bilderesultat for questions of brain
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።
10.ሕቶ፣-ኣበየናይ ጐዱፍ ደርቢኻኒ፧
ኣበየናይ ከውሒ፧

መልሲ፣- ዘለኻዮ ጎድፍ ኣይኮነን፣ጎዱፍ ግን ክኸውን ኢዩ።ዓለም ጎዱፍ ኣይኮነትን፣ገነት ድማ ኣይኮነትን።ብዙሓት ኣብዛ ምድሪ ስለዝጠዓሞም ኣብ ገነት ዘለዉ ዝመስሎም ኣሎዉ።በንጻሩ ገሊኦም ስለዝመረሮም ከኣ ኣብ ሲኦል ከምዘለዉ ገይሮም ዝሓስብዎ መሊኦም ኢዮም።ዓለም ግን ዓለም እምበር፣ሲኦል ወይ ገነት ኣይኮነት።ሰብነት ወድሰብ ኣብዛ ዓለም ንዘለዎ ሃልወት ምስ ኣብቅዐ ግን ጎዱፍ ኮይና ክትውሕጦ ኢያ። ኣብ መቓብር።ከልቅስሉ ግን ክቐብርዎ ዮም።ብከውሒ ድማ ክድብደብ ኢዩ።ንመሬት ዝፈጠረ ፈጣሪኻ ኢዩ፣ንከውሒ ዝፈጠረውን ፈጣሪኻ ኢዩ።እሞ ንከውሕን ሓመድን ክፈጥር ዘይኣገሞ ክንዮ መቓብር ልዕሊ ናይዛ ዓለማዊት ክብሪ ኣኽቢሩ ከንብረካ እንታይ ይእግሞ፧ ዶስ "ዓለም ፈጣሪ የብላን፣ባዕላ ኢያ ተፈጢራ፣ካብ ሓደ ኢለመንት ዝመበገሲኡ ጀሚራ ድሕሪኡ እንዳዓበየ እንዳዓበየ ምስ ከደ ድማ ናብዚ ዘላቶ ቅርጺ ክትሕዝ ክኢላ" ዝብል ውዱቕ ፍጡራዊ ኣእምሮ ዘመንጨዎ ቅማሬ ሓሳብ ክትስዕብ ስለዝደለኻ ኢኻ፧ ብዙሓት ምሁራት ኢና በሃልቲዶ ለኪሞምኻ።ተኾነ ደድሕር ፍጡር ምኻድ የዕብር እምበር ኣየህጥርን፣ተዘይኮነ ግን ንስኻ ከም ምርጫኽ ግበር፣ነቶም ደድሕር ፈጣሪ ዝመረጹ ግን ኣይተጎናድቦም ሕደግ።ሰሪዚውን ኣብ ናይ ጽባሕ ደሞዝካ ክትክፈሎ ኢኻ።ኢድ ጸናሒት ሸናሒት ኢልካ እትምስሎ ናትካዶ ኣይኮነን፧


11. ሕቶ፣- ውጽእ ኢለ ካብ ውልቃዊ ሕቶ
ኢድ ሂብካዮ ከተብቅዕ
ንምታይ ግን ንሰብ ብኣእምሮ ትሕዞ፧
ንቕድኻ እናተኸተሉ
ትዕዘቦምዶ እዞም ዘሽካዕልሉ፧

መልሲ፣- "ኣእምሮይ ክንዲቲ ንስኻ ትፈልጦ ክፈልጥ ነይርዎ እንዳበልካ ኢኻ።ኩሉ ሰንኪ ዘይምፍላጠይ፣ፍልጠተይ ቆንጢሩ፣ስለጽባሕ ሰንኪ ክፈልጥ ዘይምኽኣለይ ብቀትካ ይረኣየኒ ኣሎ።" ዲኻ ትብል ዘለኻ፧ጨለ ዘረባ ኢዩ ዝመስል፣ግን ምስቲ ላዕላይ ጹሑፋትካ ዝጻላእ ኢዩ።ኣእምሮ ደቂ ሰባት ንናይ ፈጣሪ ኣእምሮ ስለዘይበጽሕዎ ድዩ ቅሬታኻ፧የለን የለን።ንጽሓይ እካ ክንደይ ዝኣክል ሓይሊ ኪሎ ዋት ትውንን ክትመዝኖ ዓቅምኻ ዝልክዖ ኣይኮነን።እዚ ዘይምፍላጥካ ድማ ንጽቡቕካ ኢዩ ሓሲብልካ ፈጣሪኻ።ፐርከስ ንፈጣሪኻ ጥቕልል ኣቢልካ ከምዛ፣5+5 እተፈሊጥካዮ ከም ፍጡርውን ዘይክተኽብሮ ምኻንካ ስለዝፈለጠ ኢዩ፣እዚ ማለት ድማ ስለዘየኽበርካዮ ክብረቱ ከይቅነሶ ሰጊኡ ዘይኮነስ፣ገዛእ ሰብነትካ "ኣነ ኢየ ኣምላኽ፣" ናብ ዘብል ዕብደት ንኸይትበጽሕ ኢዩ።ስለዚ ንኣእምሮኻ ብብዙሓት ሕቶታት ዝተኸበበ ከምዝኸውን ገይሩ ሰሪሕዎ።እዞም ነንመዓልቱ ዝኽሰቱ መልስታት ናይ ኣእምሮኻ ሕቶታት ድማ፣ዕረፍትኻ እምበር ጎርቢ ዘይምኻኖም ፈጣሪኻ ይፈልጥ ኢዩ።


12. ሕቶ፣-ኣእምሮ ካብ ምግሳስ


መልሲ፣- ፈጣሪ ናይ ኣእምሮ በዓል ቤት ክኸውን ይደሊ፣እዚ ድማ ንጥቕሚ ኣእምሮምበር ፈጣሪ ካብ ውህበታቱ በቒቑ፣ቁንጣሮ ካብ ኣእምሮ ዝጽበዮ ስለዘሎ ኣይኮነን።ስለዚ ናይ ኣእምሮ ፈጣሪ ኣብ ውሽጢ ኣእምሮ ሰፊሩ ንኣምሮ ክመርሕ ይደሊ።ፈጣሪ ምስ ኣእምሮ ኪዳን ይተኣታቶ።ግን ብሕጋዊ ቃል ኪዳን እምበር ብዓመጽ ወይ ብስርቂ ኣይኮነን።ፈጣሪ ዘይተኾየጣ ኣእምሮ ሰይጣን ክካረያ ግድነት ኢዩ።ምኽንያቱ ኣእምሮ ካብ ተገዛእትነት ሓራ ዝወጻትሉ ዘመን የለን።ኣእምሮኻ ትሕቲ ፈጣሪ ብምኻኑስ፣ፈጣሪኻ ከም ሓደ ጎበዝ ንሓንቲ ጎርዞ ዓሚጹ ዝተጋሰሳ ገይርካ ሓሲብካዮ።ወገነይ፣ፈጺምካ ስሒትካ ኣሎኻ፣" ከምኡ ዝገብር፣ከምኡ ይነግር።" ዝዓይነቱ ኣብ ልብኻ ዘሎ ሕቡእ ስእሊ ብርዕኻ ትትረኸልና ኣላ።ንኽንደይ ዓሚጽካ፣ንኽንደይ ኣበሳቢስካ፣ንኽንደይ በዲልካ፣ንኽንደይ ብዘይፍታዎም ትሕቲ ኣእምሮኻ ኣምበርኪኻ ብርዕኻ ኣፍ ኣውጺኣ ትነግረና ኣላ።ምላልባሽ ንስኻ ንኻልኦት ዓብላልነትካ ተጠቒምካ ከምኡ እትገብር፣ኣእምሮኣዊ ጉልበትካ ተጠቒምካ፣ካብቶም ተዓመጽቲ ሕልፊ ተጠቃሚ መታን ክትኮውን ኢኻ።ልክዕ ኢዩ ፈጣሪኻ፣ልዕሌኻ ኢዩ፣ልዕሌኻ ድማ ይኽእል።እዚ ምኻኑ ግን ካባኻ ዝረብሖ ቅንጣብ ዘይምህላዉ እመን።ንሱ ከምኡ ዝኾነ ባህሪኡ ኩሉ ከኣሊ ስለዝኾነምበር፣ኣብ ልዕሌኻ ዓብላሊ ኮይኑ ዝንኡ ከርኢ ስለዝደለየ ኣይኮነን።ፍጡር ኣብ ልዕሊ ካልኦት ክዕብልል ዝህቅን፣ተጠቃሚ ክኸውን ስለዝደሊ ኢዩ።ንስኻውን ገና ካብ ማህጸን ኣዴኻ ወጺኻ ኣብዛ ዓለም ንዝተወሰነ ዓመታት ተቐመጥካሞ፣ ክእለትካ ግዱብ ምኻኑ ምስ ተረዳእካ፣"ፈጣሪየይ ዓሚጽኒ" ኢልከተግረምርም ትስማዕ ኣሎኻ። ወይ ግሩምሩም!
ወስብሀት ለእግዚኣብሔር።
5ይ ክፋል ይቕጽል---

እዚ ጽሑፍዚ ኣብ ገጻት ፌስቡክ ተሓንጢጡ ዝተሰንዘረ፣
ንልቢ ገርህታት ኣብ ህልውና እግዚኣብሔር ዘላቶም እምነት ከደናግር ይኽእል ኢዩ ኢለ ስለዝገመትኩ፣
<<ብመልክዕ ቃንቃ ናይቲ ሓታቲ ዝተመለሰ ቁንጫል መንፈሳዊ መልሲ ኢዩ፣>> ኢለ ዝቐረብክዎ ኢዩ።
ሕቶ ክቕበል ፍቓደኛ ኢየ ግን ኣብ ፕሪቫት።

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...