mandag 13. april 2020

ንመከርኡ መን ይዕይሮ!

በስመ-ሥላሴ

√ ባዶነት ሲኦል መታን ክገሃድ፡ ሃብታም ኣምላኽ ኣብ ቤት ድኻ ሓደረ።
ደቂ ሰባት ናይ ባሕርይ ኣምላኽ ንምዃን ስለዘይተኻእሎም፡ ፍጹመ ባሕርይ፡ ኣምላኽ ባሕርይ ሰብ ለበሰ።
ናይ ሸውዓተ ዓመታት መጽናዕትን ተንኮልን ሰይጣን ኣብ ተመን ተሰዊሩ ንኣዳም ስለዘውደቖ፡ ጥበብ ዲያብሎስ ከንቱ ንክገብር፡ ፈጣሪ ነቲ ዝወደቐ ኣዳም ለቢሱ ክስዕሮ መረጸ።
ኣዳም ብምኽሪ ሰይጣን ኣምላኽ ንምዃን ዝተመነየላ ዕለት፡ እግዚኣብሔር ግን ኣዳም ኣምላኽ ክኸውን ከምዘይክእል ፈሊጡ፡ ኣምላኽ በቲ ኲሉ ዝኽእል ባሕሪኡ ሰብ ኰይኑ ተገልጸ።
√ ስለዚ ድማ እቲ ኣምላኽ ክኾውን ዘይተኻእሎ ሰብ፡ ኣምላኽ ብክኅለቱ ፍጹም ሰብ ኴኑ መጸ'ሞ፡ ኣብ ሰማያት ምስ ሥሉስ ቅዱስ፡ ሓደ ምስጋና፡ ሓደ ኣምልኾ፡ ሓደ ስግደት ዝቕበል ፈጣሪ ኮነ።
ኣብ ሰማይ እንከሎ ኣብ ምድሪ ተመላለሰ።
ካብ መንበሩ ከየልገሰ፡ ኣብ ምድሪ ቃለ ወንጌል ብልሳኑ መሃረ።
ኣብ ሰማይ ይነቅሕ፡ ኣብ ምድሪ ምስ ሰባት ይድቅስ።
ኣብ ላዕሊ ኣብ መንበሩ፡ ኣብ ምድሪ ግን ኣብ ኣድጊ ተወጠሐ።
ኣብ ዙፋኑ ብፍርሃት ይስገደሉ፡ ኣብ ምድሪ ግን ፍጡራቱ ክዳፈርዎ ስቕ መረጸ።

√ ኣሎ ዝበሃል መከራታት ብዘይምዕሮ ተቐበለ።
ኲላቶም ፍጡራት ንዑኡ እንክሪኡ ዝንቅጥቀጡ ፈጣሪስ፡ ደቂ ሰባት ከጋፍዕዎን ጺቕ ክብልሉን ተራእየ።
እቲ ሃብታም ባኅርይ፡ ከም ባርያ ብሰላሳ ዲናር ብኣገልጋሊኡ ተሸጠ።
ሕሙማት ንክሓውዩ፡ 'ቲ ዘይሓምም ሓመመ።
ቊስለ ብዙሐት ንክዝነን፡ ዘናኒ ቊስሊ ቈሰለ።
ድኑሳት ንክድልድሉ፡ ኃያል ኣምላኽ ተደነሰ።
ግርፋት'ቶም መሳኪን ደው መታን ልብል፡ እቲ ዘይግረፍ በተን ዝፈጠረን ኣእዳው ተገርፈ።
ደም ኣቤላውያን መታን ዕረፍቲ ክረክብ፡ ደሙ ብዘይ ዕረፍቲ ወሓዘ።
√ ኣብ ሲኦል ንዝነበረ ናይ መሳኪን ኣውያት፡ ብዕልልታ መታን ክትካእ፡ ሰማያዊ ኣምላኽ ኣብ መስቀል ኴኑ ብዓቢ ድምጺ ገዓረ።
ሰብአ ሲኦል ናብ ሰማያት መታን ክድይቡ፡ እቲ ሰማያዊ ናብ ሲኦል ወረደ።
ሰንሰለት እቲ ሓያል መታን ክበጣጠስ፡ ብመስማር ፍጡራን ኣብ መስቀል ተሰመረ።
√ ኣየ! እቲ "ናይ ሲኦል ጅግና" ዝበሃል ዝነበረስ ለካ ኃያል ረኸበ።
'ታ ዘይትድፈር መንግስቱ፡ ደፊሩ ዝብርብራ ኃያል ንጉስ ካብ ድንግል ተረኽበ።
ንኣዳም ናብ ሲኦል ሒዛቶ ዝኸደት ሄዋንሲ፡ ከመይ ኢላ ደኣ ድንግል ካብ ሲኦል ሒዝዎም ዝወጽእ ዘለኣለማዊ ኣዳም ወለደት!
ደጊም ሄዋን ኣብ ሲኦል ኴና ትውቀሰሉ ዝነበረት ዘመን፡ ብምስጋና ድንግል ተተኪኡ'ዩ።
√ "ብሰንክኺ!" ተባሂላ ትርገም ዝነበረት ሄዋን፡ "ሳላኺ!" ተባሂላ ትምስገን ዳግማዊት ሄዋን ተረኺባ'ላሞ ነመስግና።
ሄዋን ካብ ምኽረ ከይሲ ሰሚዓ ዕጸ-በለስ ተዘይትቕንጥብ፡ እዚ ኲሉ ውርደት ኣይምመጸን። ድንግል ድማ ምስጋናን ብስራትን ቅዱስ ገብርኤል ሰሚዓ ተዘይትጸንስ፡ ኣብዛ ዳግማዊ ዕጽ- መስቀል ተሰቒሉ ዘድሕነና ፈጣሪ ኣይትመረኽበን።
ስለዂሉ ነገር ግን ንፈጣሪና ነመስግኖ።
ስለዂሉ ነገር ንድግል ማርያም ነዕብያ።
ስለዂሉ ነገር በቲ ዝደሓንናሉን ብደም ፈጣሪና ዝተቐደሰን ቅዱስ መስቀል ንመካሕ።
ኣሜን ወኣሜንንን!!
ሎቱ ስብሐት።

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...