onsdag 1. juli 2020

ቤተክርስቲያን ትህብዶ ትልምን፧ 1ይ ክፋል


በስመ ሥላሴ
√ ቤተክርስቲያን ምልእቲ ስለዝኾነት፡ ንደቃ ይኹን ንጓና ካብ ጸጋታታ ጸጋ እናዓደለት ትነብር። ንዓይነት ሀብተ-ጸጋታታ ንምጥቃስ ዝኣክል፡ ሓቀኛ ሃይማኖት፡ ሓቀኛ ፍልጠት፡ መገዲ ምድሓን፡ ዕረፍቲ፡ ሰላም፡ ህድኣት፡ ርትዒ... ዘርዚርካ ኣይውድኡን። እዚ ምኽንያታዊ ዝዀነሉ ከኣ ነቲ ሃብታም ዝኾነ እግዚአብሔር ስለዝሓዘት'ዩ ዝጎድላ ዘየብላ።

√ እዞም ጸጋታት'ዚኣቶም ንክልተ ዓይነት ሰባት ብክልተ ዓይነት መገድታት ዝዕደሉ እዮም። ንዝርዝሮም ኣመልኪትና፡ በቶም ዝዕደለሎም መገድታት እንተጀሚርና፥-

√ ጸጋታት ቤተክርስቲያን ዝዕደልሉ መገድታት፡ ብቐጥታን ተዘዋዋርን መዳይ'ዩ። ብቀጥታ ክበሃል እንከሎ፡ እንካን ሃባን ካብ ቅድስት ቤተክርስቲያን'ዩ። ተዘዋዋሪ መገዲ ድማ፡ ዋንነቱ ናይ ቤተክርስቲያን ክንሱ እቶም ተቐበልቲ ግን ኣብ ደገ፡ ኣብ ዘይምእማን እንከለዉ ዝወሃብ ጸጋ'ዩ፡፡ እቶም ካብ ጸጋታታ ዝዕደሉ ኣካላት እምበኣር፡ ኣብ ውሽጣን ወጻእን ቤተክርስቲያን ዝርከቡ'ዮም። እዚ ድማ እቶም ኣብ ውሽጣ ዘለዉ፡ ደቃን ኣመንታን ብዛዕባ መንነት እግዚአብሔር ብመገዳ ዝተረድኡን ኴኖም፡ ኣብ ጎጆኣን ውሻጤኣን ገይራ ብቐጥታ ጸጋኣ ትዕድሎም። ንውሓቱ ካብ መሰል ዉልድነት እግዚአብሔር ጀሚርካ፡ ንስሓ፡ ጽድቂ፡ ተስፋ ርስተ መንግስተ ሰማያት ዘለኣለማውነት... ክጥቀሱ ይከኣሉ። ደቂ ቤተክርስቲያን ኴንና ንጸጋታታ እንሰንቀሉ መዳይ፡ ብቀጥታ ኣብ ውሽጣ ምስ ንህሉ ጥራይ ምዃኑ ይፍለጥ።

√ ካብዚ ወጺኻ ብተዘዋዋሪ መገድታት ዝወሃቡ ውህብቶታት ድማ አዉ። ከም ኣርኣያነት፡ ጥበብ፡ ፍልጠት፡ ሃብተ-ስጋ፡ ትሕትና፡ ምሕዝነት... ዝኣመሰሉ ንስጋዊ ነገራት ጥራይ ዘከናውኑ ጒዳያት እንተዀይኖም' ማለት'ዩ። ድማ ነዚኣቶም ዋንኦም እግዚአብሔር ኴኑ ብተዘዋዋሪ መገዲ ካብ ኣፍ ቤተክርስቲያን ዝዕደሉ ምዃኖም ክርስሳዕ ዘየብሉ ሓቂ'ዩ፡፡ እዚአቶም ኣብቶም ኣመንቲ እግዚአብሔርን ከሓድያን፡ ቆረብትን ተሓሰምትን፡ ቀተልትን መሓርትን፡ ኣሰርትን ፍትሓውያንን... ወዘተ ኣብ ንጽል ይዂኑ ጅምላ ክውነኑ ዝኽእሉ ስጋውያን ጸጋታት ኴኖም፡ ዋንነቶምን ምንጮምን ግን ካብ ቅድስት ቤተክርስቲያን ኢዮም። እዞም ሃብትታት 'ዚኣቶም ንሓደ ንሓደ ተባሂሉ ዝንፈጉን ዝወሃቡን ዘይኮኑስ፡ እንተላይ ንስጋውያን ሰባት ተዓዲሎም፡ ኣብዛ ዓለም ዘለዉ ሰባት ዝረብሕሉ ባይታ ንምጻፍ'ዩ።

√ ንኣብነት ጥበብን ፍልስፍናን ፡ሳይንስን ምርምርን፡ ዲሞክራስን ዲፕሎማስን በይኖም፡ ካብ ዜሮ ኣእምሮ ፈሊቖም ኣብ ደቂ ሰባት ዝሰረጹ ከምዘይኮኑ፡ ባዕሎም እዞም ተኸተልቲ ናይዞም ዓውድታት'ዚ ዘብርህዎ ሓቂ ኣሎ። እዚ ከኣ ኣብ ናይ ነፍሲ-ወከፎም ገለጻ፡ ከም ምንጭን መወከስን ኢሎም ዝጥቀምሉ፡ መጽሓፍ-ፍቅዱስ ወይ ከኣ ተፈጥሮ ከም ዋና ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል። ብቅድስት ቤተክርስቲያን ከም ቅዱሳን ዝጥቀሱ፡ ብተመራመርቲ ግን ከም ኣብነታውያን ሰባት ዝርቊሑ ሰባት ኣብ መጻሕፍቶም ከም መወከስን ጭብጥን ተጠቒሱ ንረኽቦ። ስለዚ ቅድስት ቤተክርስቲያን ነዚ ሃብቲ'ዚ ኣብ ቤይና ከይኮነ፡ ነቶም ኣብ ውሽጣ ዘየለዉ'ውን ከይተረፈ፡ ካብ'ቲ መርዓዊአ ዝሃባ ውህብቶታት ከምዝካፈሉ ትገብር ምህላዋ የመስግና እምበር ኣየውቅሳን። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኲላቶም ኣንበብቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣመንቱ ጥራይ ዘይምኻኖም ዝተፈልጠ ሓቂ ስለዝዀነ፡ ንጥበብን ጠቓምነትን መጽሓፍ ቅዱስ ኲሉ ሰብ ዝሃርፎ ምዃኑ ክንርዳእ ንኽእል።

√  ነገረ ተፈጥሮ'ውን ከምኡ። ኣብ ናይ ኦኮሎጅን ስነ-ተፈጥሮን ዘጽንዕ ዓውዲ ስነ-ፍልጠት፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ደጋዊ ኣፋቶም ይኽሕዶ'ዩ፡፡ ኣብነታዊ ኣሰራርዓ ፍጥረት ንምርዳእን ጥሙር መጽናዕቲ ንምክያድን ግን ካብ ኣስማት ተፈጥሮ  ጀሚርካ ክሳብ ጅን (DNA) ካብ ልቦም ጐልሑ ዝረአ ምንጭታት ኣሎ። እዚ ከኣ ሓደ ሰራሒ፡ ወይ ጥበበኛ ኣካል ከምዘሎ መጽሓፍቶም ክመርሓካን ከረድኣካን ይኽእል'ዩ። ኦኮሎጂ "ናይ መጀመርያ ፍጥረት ባክተርያ'ዩ!" ኢሉ ድምዳሜ ክህብ እንከሎ፡ ፈጣሪ ባክተርያ መን ምዃኑ ግን እናፈለጦ ከረድእ ኣይደልን። እቲ ዘገርም እምበኣር እዚ ፍልጠት'ዚ ኣብ ቅድስት ቤተክርስቲያን ኣቐዲሙ ዝጸነሐን ሕጂ ምህላን ዝተፈልጠ ምዃኑ'ዩ። "ሰማይን ምድርን ዝረአን ዘይረአን ዝፈጠረ!" ተባሂሉ ዝንገር ዜና መቸም ካብ ጥንቱ ኣብ ቤተክርስቲያን'ዩ። ስለዚ ሓደ ናይ ኦኮሎጂ ወይ ባይሎጂ ተማራማሪ ብዛዕባ ዘይረአ ፍጥረት ክዛርብ እንክስማዕ፡ "ዘይረአ ፍጥረት!" ዝብል ኣምር ሓድሽ ትምህርቲ ዘይምዃኑ ኣቐዲምካ  ምፍላጥ የድሊ። እምብስኣር ዋንነቱ ናይ ቤተክርስቲያን ዝኾነ ጥበብን ፍልጠትን፡ ብተዘዋዋሪ መገዲ ዋላ ነቶም ዘይኣመንታ ክወሃቦም እንከሎ ንርዳእ።

"ቤተክርስቲያን ትህብዶ ትልምን፧" ዝብል ዛዕባ እምበኣር ብገለ ጫፋቱ፡ ኣብ ላዕሊ ከምዝተመለሰ ዝተፈልጠ እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ዝቕጽል ክፋላት ብሰፊሑ ክንድህሥሶ ኢና። እዚ ድማ ነቶም ኣፎም ከፊቶም "ቤተክርስቲያን ትልምን ኣላ" ኢሎም ብሑጓ ወይ ብዓውታ ዘባጭዉ ዘለዉ፡ ደቃ ተመሲሎም ኣጥባታ ዝነኽሱ፡ ካብኣ ተማሂሮም ክንሶም "ተዘይመሃርናኪ!" እናሉ ኢዶም ዘወጣውጡ፡ ኃይለ ክሂሎታ ዘይተረድኡን ኣካላት ብዝግባእ ባዕሎም ከም ዝግንሑ  ዝገብር ጽሑፍ'ዩ።  እግዚአብሔር አምላኽና ኃይሊ ጸረ-ቤተክርስቲያን ኣድኪሙ፡ ኃይሊ ረዲኤቱ ይልኣኸልና!
2ይ ክፋል ይቕጽል

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...