onsdag 15. mars 2017

<< ሰላም ሲኢነ፦>>

<< ሰላም ሲኢነ፦>>ንሓደ ሰብ ስለምንታይ ሓጥያት ትፍጽም ኢልካ ምስቲሓቶ ዝምልሰልካ ግብረ መልሲ ኢዩ።ሓጥያት ስሙን መልክዑን ይቀያየር ይኾውን እምበር፣ጽሩይ ፍሉጥን ስሙስ ሓጥያት ኢዩ።ጓይላ፣ስኽራን፣ኣምልኾ ጣዖት፣እዚኦም ቀንደኛ ስሞም ኣምልኾ ጣዖት ኢዩ ተቐያይሮም ግን ብዙሕ ዓይነት ሳጓ ይሕዙ።ጓይላ ዝስዕስዕን ዘሳዕስዕን፣ዝሰምዕን ዘስምዕን ክልቲኦም ሓደ ዓይነት ዕላማ ኣሎዎም።ነቲ ሳዕሳዓይ ስለምንታይ ትስዕስዕ እንተበልካዮ፣ሰላም ሲኢነ፣ይብል።እቲ ደራፋይውን ከሙኡ።ሰላም ኣብ ጓይላ ዝርከብ ኣምሲሉ ሰይጣን ልቢ መእምናን መንጢሉ ወሰዶ፧ ዕሽር ንኸውጽኣ ዓቐብ ኮይንወን ዝነበራ የእዳው፣ሕጂ ግን ንኽብሪ ጓይላ ክብላ ናይ ለይታዊ ትልሂት ትኬት ንምኽፋል ድሕር ኣይብላን እሞ ድማ ኣሽሓት።ሞባእን ምጽወታን 10 ሳንቲም ነኸተውጽእ ጸላዕላዕ ዝበላ ጁባ፣ሕጂ ግን ጓይላ መታን ክሙጐስ፣ስለክብሪ ጓይላን፣ስለቲ ኣሳሳዪ ጓይላን ክትብል እልፊ ዘየብሉ ሞባኣት ብስም <<ዓሽ ዓሽ ዓሽ>> ዝብል ሸፈጥ፣ኣብ እግሪቲ ደራፊ፣ኣብቲ ዐውደጥፍኣት ትድርዶሮ።ካብዚ ዝዓቢ ኣምልኾ ጣዖት ደኣ ኣበይ ኣሎ።ሞባእን ዕሽርን እግዚኣብሄር መመንጢሉ ክእብ ጁባ መእምናን ዝምንጥል፣ልቢ ሰባት ከምድላዩ ኮይኖም ክእዘዝዎ ዝጠዊ ጓይላ፣ካብዚ ዝኸፍእ ኣምልኾ ጣዖት ደኣ ኣበይ ኣሎ።እልፊ ኣእላፍ ኣቕራሽ ይወድቕ።ኣንታ ሓወይ ስለምንታይ ክንድዚ ዝኸውን ዶላራት ከፈልካ ኢልካ እንተሓተትካዮ ሰላም ስለዝሰኣንኩ፣ክንድዚ ዝኸውን ገንዘብ ናብ ጓይላ ከከይድካ ምኽፋልዩ ዝብራሃኒ ይብል።
ሓደ መንእሰይ ብፍላይ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝምከሓላ ነገር ኣላ።ጓይላኮ ናይ ኣቦታተይ ኢዩ፣መን ኢሉ፣ኣየኖት ኣቦታት ኢዮምከ?ስጋውያን ኣቦታት እንተኾኑ፣ጋይላ ዝስዕስዕን ዝዋጥን ዘውጠጥን፣ሓምየን ኢሎም ይጽየፍዎ ነይሮም፣እረ ጓይላስ መውስቦ የኽልእ ነይሩ።ኣቦታትና ነታ ዝፈትውዋ ጓሎም ናብ ጓይላ ጓይላ ዝኸይድን ዋጣ ዝዋጥን ሰብ ኣይህብዋን ኢዮም ነይሮም። "ነገር ዘይጸገበስ ግያል ዋጣ ይሕጸ፣" ዝብል ምስላ ናይ ኣቦታትና ኢዩ እምበር ናይ ጸዓዱ ኣይኮነን።ስለዚ ጓይላ ከምዚ ሎሚ ሞያዊ ስራሕ ተባሂሉ ኣብ ልብና ከይተዘረአ እንከሎ፣ፍንፉን መሳርሒ ሓጥኣት ኢዩ ካብ ቀደሙ።እንተ እቶም መንፈሳውያን ኣቦታት ድማ ንጓይላ ፈጺሞም ኮኒኖምሲ፣ኣብ ሰማያት ከይዶም መንፈሳዊ ዜማ ተማሂሮም ናብ ምድሪ መጹ ።ናይዛ ዓለም ዜማ ኣጽሊኡዎም፣ሓድሽ ዜማ ናይ መላእክት ዝማሬ ካብ ሰማያት ተቐበሉ።ኣየኖት ኣቦታትና ደኣሎም ጓይላ ናይ ኣቦታትና ኢልና ንሕለቐሎም ዘለና፧ ጓይላ ብምንም ተኣምር ናይ ኣቦታትና ኮይኑ ኣይፈልጥን ኢዩ።ጓይላ ዝፈትዉ ኣቦታት የብልናን። 
ኣብ ዘመነ ብሉይ ዝነበሩ ደቂ ሰባት፣እዚ ኣምላኽና ኢዩ ኢሎም ዝግረምሉን ዘድንቕዎን ብወርቂ ዝተለበጠ ነገር ሰሪሖም ኣምልኾኦም የካይዱ ነይሮም።ነዚ ኣህዛብ ስለምንታይ ደኣ፣ኢልካ እንክቲሓቶም፣ውሽጣዊት ሰላምና ኣብዚ ስለዘላ፣ዝኸፈልና ከፊልና ነዛ ወርቃዊት ጣዖት ክንገዝኣ ኣሎና ኢሎም ይምልሱ።ቅዱስ ኣብርሃም ካብ ዓሌት ሸየጥቲ ጣዖት ነበረ፣ሰላም መታን ክረኽቡ በቲ ውቅብ ስርሓት የእዳው ደቂ ሰባት ዝተሰረሐት ጣዖት ብምግራም፣ብምሒር ኣድናቖትን እዚኦምሲ ኣማልኽቲ ክኾኑ ኣሎዎም፣ለካ ሰላም ኣብዚኦም ኢዩ ዝርከብ ኢሎም ይምልሱ።
እግድዚኣብሄር ግን ቅጽል ስሙ ሰላማዊ ንጉስ፣ንጉሰ ሰላም ተባሂሉ ይጽዋዕ።ናይ ኩሎም ሰላማት ዋንኦም እግዚኣብሄር ኢዩ።38 ዓመታት ስጋዊት ሰላም ሲኢኑ ዝነበረ ድዌ፣ዋና ሰላም ዝኾነ ክርስቶስ፣ደጊም ኣነ ሰላም ኣብ ውሽጥኻ ክኣቱ መጽየ ኣሎኹ።ጥራይ ፍቓደኛ ኩን እምበር፣ስጋውን ነፍሳውን ሰብነትካ ሰላመይ ክዓስሎ ኢዩ።ኢሉ ሰላም መታን ክህቦ ፍቓደኝነት ሓተተ።ንሱ ግን ሰላም ካብ ሰባት ዝርከብ መሰሎ ሰላም ዘውህብ ሰበ የብለይን በለ።
ን3 ዓመታትን 3 ወርሕን ዝኣክል ብዛዕባ ሰላም ዝመሃሮም ክርስቶስ ንሃዋርያት፣ፍጽምነት ሰላም መታን ክምህሮም ኢሉ ምእንትኦም ክብል ክሳብ ሲኦል ኣተወ።ነታ ብሰንኪ ድኻም ደቂ ሰባት ተነፊጋ ዝነበረ ሰላም ድማ ኣብ ሲኦል ከይዱ ናጽነት ሰላም ኣወጀ፣፣እቶም ሃዋርያት ግን ነዚ ኩሉ ዝተመሃርዎ ኣሻቦም ረስዕዎ።መሸጎር ሸጊሮም፣ገዛ ዓጽዮም ብፍጹም ፍርሒ ኣብ ሓንቲ ገዛ ተኣከቡ።በቲ ኣብ ደገ ዝነፍስ ዝነበረ ናይ ቀያፋውያን መሾምቦባ ኣዝዮም ፈርሕዎ።ንሱ ግን ክርስቶስ፣ ሰላም ክህብ እንተደልዩ ዝኽልክሎ የለን።ቀያፋውያን ንናይ ክርስቶስ ሰላም ኣይከልከልዎን።እረ ናይ ፈሪሳዊ ልቢ ንናይ ክርስቶስ ሰላም ናብ ዓልም ንኸይትፍኖ ክትዓት ዓቕሚ የብላን።ምላልባሽ ኣብ መሸጎር ክሽጉሩና ይኽእሉ፣ንሱ ግን መሽጎር እኳ ኣይዓጽዎን፣ምላልባሽ ሂዎት ከም ምጉዕባዕ ሃናውያንን ቀያፋውያንን ከተባህርረና ትኸውን፣ኣብ ቅልጽም ክርስቶስ ግን ሓይላ ድኹም ኢዩ።ንሱ ንነፍሲ ወከፍ ልቢ ሰላም ክመልእ ወትሩ ትጉህ ኢዩ።ሃዋርያ ተዓጽዮም ምህላዎም ፈለጠ።ኣፍ ሃዋርያት ፍርሒ ፍርሒ ይሽትት፣ክርስቶስ ግን ኣብ ውሽጦም ዘላ ድምጺ ኣምቢቡ፣ሰላም ከምዝናፈቑ ርእዩ ሰላም ለኩልኩሙ፣ሰላም ንዓኹም ይኹን በለ።ወገናተይ ንተኣሰር፣ንተሓየር ብዘየገድስ፣ሰላም ብዘይ እግዚኣብሄር በየናይ መንገዲ ኢያ ክትመጻና፧
ሓደ ግዜ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን  ብዝነበረ ኲናት፣ካብ ሻምብቆ ካብቲ ንነብረሉ ዝነበርና ዓዲ ተሰዲድና ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ ንስደድ ነበርና፣፣ኣብቲ ከባቢ ዓበይቲ ብረታት ይትኮስ ነይሩ፣ነፈርቲ ምስቲ ዘፍርሕ ድምጸን ከም ዕስለ ንህቢ ይዝምብያ ነይረን።ንሕና እቶም ዕኹኽ ዝበልና ብእግርና ክንከይድ እንኽእል ሰባት ወድናን ጓልናን፣ኣንስትናን ሰብኡትናን ብፍርሒ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ድምጺ ተኽሲ ትርግታ ልብና ህርመታ ቲዛይድ ነይራ።ኣብተን ኣንስቲ ተሓዚሎም ዝነበሩ ህጻናት ግን ምንም ፍርሒ ኣይመጾምን፣ንሳቶም እቶም ህጻናት ደቂሶም፣ንሕና ግን ንሃድም።እታ ኣደ እንዳሃደመት እቲ ህጻን ግን ኣብ ዝባና ደቂሱ።ነዚ ህጻን ኣብ ማሕዘል ኣዴኡ ምህላዉ እኹል ሰላም ኮይኑ ክሳብ ክንድዚ ከምዝድቅስ ገይርዎ።
ኣንታ ህጻን ምስጢር ድቃስካባ ንገረኒ።ክንድቲ ንስኻ ዝደቀስካዮ ክድቅስ፣ክንድቲ ዝቐሰንካዮ ክቐስን፣ክንድቲ ነዴኻ ዝኣመንካዮ ክኣምንንን ክእመንንሲ ምስጢር ድቃስካ እንታይ ኢዩ፧ኦ ህዝቢ ክርስትያን፣ሰላም ድዩ ውሒድኩም፣ደቂ ንጉሰ ሰላም እንከለኹምሲ ክንድዚ ቲሽበሩ።እረ መንስከ ይሓይሽ እዚ ህጻንዶ ንስኻትኩም፧ንሱ ነዛ ፍጥረት ዝኾነት ሰበይቲ ኢዩ ኣሚኑ ኣብ ዝባና ሟሚቑ ደቂሱ፣ንስኻትኩም ግን ኣብ ትሕቲ ፈጣሪ ኢኹም ተሓዚልኩም ዘለኹ።ንሱ ዝምገቦ መግቢ ካብ ፍጥረት ዚሕለብ ጸባ ጡብ ኢዩ፣ንስኻትኩም እትምገብዎ መግቢ ግን መግበ መሎኮትን ደመ መሎኮትን ቅዱስ ቁርባን ኢዩ፣ንሱ ተጎልቢብዎ ዘሎ፣ፍጡር ዝሰረሖ ነጸላ ኢዩ፣ንስኻትኮም እትማምቑሉ መንጸፍን ኮቦርታን ግን እልፊ ኣእላፋት ዝኾኑ ሰማያውያን፣ቅዱሳን፣ጻድቃናት ሰማእታት ብጾሎቶም ኣማሚቖምኹም'ዮም ዘለዉ።ንስኻትኩም መታን ኣስተርሒኹም ክትቐስኑ ንሳቶም መንጸፍን፣መጎልበብን ኮይኖም ወትሩ ስለትንሳኤኹም ተጊሆም ኣሎዉ።
ደጊም ጓይላ ወጊድ፣ርኽሰት ወጊድ፣ስጋዊ ዕንደራ ወጊድ፣ናይ ገዛእ ርእስኻ ክብሪ ክትረክብ ዝግበር ፍንፉን ጉዕዞ ሓጥያት ደጊም ይኣክል።ካብ እግዚኣብሄር ዝዓቢ ሰላም፣ካብ ቅድስና ዝማሙቕ ድቃስ፣ካብ ጸሎት ቅዱሳን ዝድልድል ዕርዲ የለን።ኣምላኽና ኢዱ ዘርጊሑ እንኩ ሰላመይ ይብል ኣሎ።እሺ፣እሺ፣እሺ፣ዝብላ የእዳው ከይረኸበ ግን ኣገዲዱ ኣይህብን ኢዩ።ሰላም ንምቕባል የብቅዓና።
ኣሜን ኣሜን ወኣሜን!
ወስብሐት ለእግዚኣብሄር።

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...