søndag 16. april 2017

በእንተ ቅድስት ትንሳኤ፣- ዛቲ ዕለት ይኢቲ ተንስአ ዘኢይነወመ።

እዛ ዕለትዚኣ፡እቲ ወትሩ ዘይታኸስ ዝተንስኣላ ዕለት ኢያ።
ዛቲ ዕለት ይኢቲ ተንስአ ዘኢይነወመ።
እዚ ትንሳኤዚ፡12 ዝነበሩ 11 ዝተረፍሉ፡ሕቡኣት ደቀመዛሙርቲ ዝተገልጽሉ፡ናይ ግልጺ ደቀመዛሙርቲ ዝተሓብእሉ፡ተሓዚ ማሕፉዳ ተሓኒቑ ዝሞተሉ፡ፊደል ዘይቆጸረ ዝነበረ ሊቀ ሃዋርያ ግን ብንስሓ ልቡ ዝሰበረሉ፡ቅዱሳን ኣንስቲ ናብ መቓብር ገስጊሰን ዝተበሰራሉ፡እቶም ኣሰቡኡት ግን ነቲ ብስራት ከም ዕሽነት ዝቖጸርሉ፡ነዚ ንምምስኻር ሓደ ሽማግለን፡ሓደ ደልዳላ መንእሰይን ናብ ናይ ጎይታ መቓብር ቸክ ንምባር ቅድድም ዝገበርሉ፡እቲ ሽማግለ ሃዋርያ ዲሒሩካ ኣብቲ መቓብር እንተበጽሐ፡እቲ ትሕትና ዝተማህረ ሃዋርያ ግን ክሳብ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝመጽእ ደው ኢሉ ተጸብዩ፡ናይ ትሕትና መምህርነት ኣሀዱ ኢሎም ዝጀመርሉ፡ኣብ ማሕበረ ሃዋርያት ዕልልታ ኣብ ማሕበረ ቀያፋ ግን ፍርሒ ዝተደርጉሓላ ዕለት ኢያ።
ትንሳኤ፡ዘይድቅስ ኣምላኽ ዝተስኣላ፡ዘይሞውት ፈጣሪ ብስጋ ተቐቢሩ ብተኣምራዊ ስራሕ ተዋህዶ ዝተንስኣላ፡ናትና ፍኖትና ትንሳኤ፡ናቱ ግን ኩሉ ግዜ ትንሳኤ፡ ኩሉ ግዜ ምስነቐሐ፡ኩሉ እንዳኸኣለ ከምዘይክእል ካብ ዝቕበር ሳልስቱ፡ንኹሉ ዝምግብ ክንሱ፡ረዳኢ ከምዝሰኣነ በይኑ ጻድቕ ኮይኑ ኣብ ማእከል ክልተ ሸፋቱ ተሰቒሉ ነይሩ፡ጽሓይን፡ወርሕን፡ንብዓተን ዝነዝሓሉ፡ኣኻውሕ፡
ብፍጹም " ንስኻ ትእዝዘናምበር ንሕና ናይ ኣዛዝነት ስልጣን ስለዘየብልና ኣይንቐብረካን፡ፍጹም ኣይንበቅዕን፡" እንክብሉ ኣብ ከክልተ ዝተጨድሉ፡ምድሪ ኣብኣ ንዝቕበር ፈጣሪኣ፡ጽንጽንታ ግዲ ሰሚዓ፡ኣምላኽ ኣብ ከርሳ ክቕበር ብምኻኑ ፍርሒ ብዝተሓወሶ ውጫጨ ንዮ ነጆው ኢላ ኣንቀጥቂጣ ብምባራ፡ሕጂ ግን ብዘይ ጨዳድን ብዘይ ምስባር ከውሕን ብሕቱም መቓብር ዝተንስኣሉ ዕለት ኢዩ።
ኣየ ምድሪ!!! ክንደይከ ትደፍሪ፡ነቲ ፈጣሪኽስ ቀበርክዮ፡ነቲ ዝሰርሓክስ ዓበጥክዮ፡ነቲ ኣዳም ንምስራሕ ብዕሙኺት ኢዱ ዝጨበጠክስ፡ንሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ኣብ ከርስኺ ዓሚኽክዮ ቀነኺ።
ኣቤት ፈጣሪ፡ክንደይ ይትሕት።ለካ መምህርት ትሕትንኡስ፡ንዓና ንሰባት ጥራይ መሲሉና እምበር፡ዋላ ንምድርን ንኻልኦት ፍጥረትን ውን ምሂርዎም ኢዩ።ምንጪ ድልዳለ ናይ ኣኻውሕ ካብ ክርስቶስ ክንሱ፡ክርስቶስ ኣብ ዝተወቕረ ክውሒ ተቐብረ፡ዕንጸይቲ ፍጥርቲ ክንሳ፡መስቀል ዝብል መዓርግ ተሸሊማ ፈጣሪድማ ዙፋኑ ገይርዋ ውዒሉ፡ምውታን ዝቕበርሉ ሲኦል፡ኣዝዮም ጨነውትን፡ሓጥኣንን ንኽቕመጥሉ ዝተፈጥረ ኣዝዩ ጨናዊ ስፍራ ክንሱ፡ምንም ሓጥያት ዘይብሉ ምኡዝ ጨና ምሕረት ዘለዎ ክርስቶስ ናብቶም ተማሪኾም ዝነበሩ ተቐማጦ ናይ ሲኦል ብምኻድ ብስራት ኣወጀ።ክንድምንታይ ይርህርህን ተኣምርን ኢዩዚ!!!
እዛ ትንሳኤ እዚኣ፡እቶም ሰብኣ መቓብር ብዝተንስእሉ መንጽር፡ብሓጥያትነት ደቂሶም ዝነበሩ ከምዚኸማይ ክርስትያን ድማ ዝነቕሑላ፡ሃዋርያት ብሓጎስ ብዝተሳራሰሩላ መንጽር፡ብትንሳኤና ድማ ኣብ ሰማያት ዓቢ ሓጎስ ዝእወጀላ ዕለት ኢያ።
ለካ ናይ ክርስትና ከይዲ ህይወት፡ናይ መወዳእታ ዕላምኡ ኣብ መቓብር ተዝኸውን፡ኣጋንንቲ ከይተረፈ ምደንገጹ።ግን ናይ ክርስትና ዕላምኡ ትንሳኤ ኢዩ።መርፍእ ብዝሓለፎ ክሪ ክሓልፍ ግድን ከምዝብሃል፡ክርስቶስ ዝሓለፋ ፍኖት ድማ ኩሉ ኣዕዋቲ ኢዩ።ንሱ ዝረገጻ ኣሰር ክንረግጻ፡ንሱ ዝተንከፋ ኣሰረ ኣጻብዕቲ ክንድህስሳ፡ንሱ ዝተንሳኣ ናይ ሞት ትንሳኤ፡ክንቀምሳ፣ንሱ ዝተሰከማ ሸኸም ምስካምን ምስዓብን እንኮ ናይ ክርስትና ዕላማ ኢዩ።
ክስትውዓል ዝግብኦ ሓደ ነገር ግን ኣሎ፡ናብ ሃገረ ሲኦል፡ስለዝኸደ፡ንዑኡ ብምስዓብና ናብኡ ናብቲ ሲኦል ክንከይድ ማለት ኣይኮነን፡ኣብ ምድሪ ንዘጋጥም ሲኦላዊ መከራ ክንቅብል ግን ሕገ መከራ ሲኦል ይእዝዝ ኢዩ።ወይ ከይተሳቐኻ ጽናሕሞ ኣብ ሲኦል ንዘልኣለም ተሳቐ፣ወይ ሕጂ ኣብ ምድሪ ነንእሽቶ ጭላፋት ናይ ሲኦል ተጸመምሞ፣ድሕሪ ሞት ፍጹም ዕረፍቲ ክህልወካ ኢዩ ዝብል መርሀ ግብር ዝሓዘ ኢዩ።
ህጻን ክሕከም ተኾይኑ ቃንዛ ናይ መርፍእ ክጻወር ኣሎዎ።ክርስትና ኣብ ፍጻመ ክበጽእ ተኾይኑ ድማ፡ካብ ሲኦል ዝተጨለፈት መርፍኣዊት መከራ ክትቀምስ ግድን ኢዩ።ኣደ እቲ ሓኪም ዝወደቐ ህጻና፣ህጻና ክሕከም እንከሎ፡ናይቲ መርፍእ ዘምጽኦ ጣጣ ተመልኪታ ናይ ወዳ ቃንዛ ዘይኮነትሲ፡የዒንታ ክንዮ መርፍእ ዘሎ ፍወሳ ኢየን ዝርእያ።ክርስቶስውን ክንዮ መከራና ዘሎ ናይ ዓወትና ምጉንጻፍ እምበር ከም ደቂ በጃኽን፡እንዳሞትና ስቕ ኢሉ ዝቐትል ሓኪም ኣይኮነን።ወገነይ ክርስትና ኩንትራት ኣይኮነን፡ትማሊ ተንሲእካ ስለዝነበርካ ብናይ ሎሚ ውድቀትካ ንድሕሪት ኣይትደቖስ።ክርስትና ተደቒስካ ምትራፍ ዘትኮነስ እንዳወደቕካን እንዳተንሳእካን እትጎይዮ መንፈሳዊ ማራቶን ኢዩ።ተንስእ እምበር መሊስካ ኣይትቀበር፡ክርስቶስ ዝተቐበረ ንስኻ መታን ክትትንስእ ኢዩ፡ክርስቶስ ዝተንሰአ ድማ ትንሳኤኻ ማዕረ ክንደይ ንቅዱሳን ከምዘሕጉሶም ንኽምህረካ፡ተስፋ ሰማያት ከርእየካ ስለዝደለየ ኢዩ።
መምህር ትንሳኤ ዝኾንካ ኣምላከ ኩሉ ፍጥረት ክርስቶስ ኣምላኽና ተመስገን።
እንካዕ ኣብዚ ክቡር ዕለተ ትንሳኤ ኣብቀዓና።
ወስብሀት ለእግዚኣብሄር።

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...