mandag 4. september 2017

ቅዱስ ዮውሐንስ ርእሰ ዓውደ-ዓመት፣- 2ይ ክፋል

በስመ ሥላሴ ንትመሃር ትምህርተ ኣዝማን።

ብዛዕባ ዓመታት ዝተበጽሐ ጅማሬያዊት ዕለት ካብ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ደቂ ሰባት፣

ዝተፈላለዩ ናይ ስነ ጽሓይ ተመራመርቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘመናት ዝተፈላለየ ፍልስውናዊ ቅማሬ ኣካይዶም ኢዮም።ሓቀኛ ቀዳመይቲ ወርሒ ናይ ዓመት ኣበየነይቲ ኢያ ሎም ዝተፈላለየ ዓይነት ትንተናታት ሂቦምሉ ኢዮም።
ዩልዩስ ቄሳር ቅ፣ልደተ ክርስቶስ ንዝገበሮ ናይ ዘመን ቆጸራ ሓንቲ ዓመት 365 መዓልትን 5 ሰዓትን፣48 ደቒቕን፣46 ዳግሚት (ቅጽበትን) ኢሉ ንናይ ሓንቲ ዓመት ድምር ግዝያት ቀመሮ።እዘን 46 ካሊኢታት ወይ ቅጽበታት ክሳብ 1528 ዓ፣ም ኣህዛባውያን ይጥቀሙለን ነይሮም።ፖፕ ግሪጎሪ ዝተብህለ ናይ ሮም ጳጳስ ብ1528 ዓ፣ም ግን ነቲ ቅማሬ ካብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት 11 መዓልታት ከምዘትረፈ ተዛረበ።እዚ 46 ካሊኢታት ድርቢኻ ወሲኽካ ዘምጽኦ ለውጢ የለን ብምባል፣ካብ ነፍሲ ወከፍ ዓመታት 46 ቅጽበታት እንዳቆጸረ 11 መዓልታት ኮናሉሞ፡ ንዐአን ደርብዩ ክንድዚ ዝኣክል ፍልልይ ካብቲ ናይቶም ቀዳሞት ኣምጽአ።እዘን ደርብይወን ዘሎ 11 መዓልታት ካብተን 48 ደቒቕን 46 ካልኢትን ከይደመረ ስለዝገደፈን ኢዩ።ስለዚ ሓንቲ ዓመት 365 መዓልትን፣5 ሰዓትን 48 ደቕቕን 46 ካልኢታት ኢዩ ክኾና ዝግበአን ነይሩ፣ ንሱ ግን 365 መዓልታትን 6 ሰዓታትን ገይሮ ለወጦ።

ዝተፈላለዩ ሃይማኖታውያን ሰባት ኣብ ሓድሽ ዓመት ዘለዎም ርድኢት፡ ካብ ብዙሓት ብውሕዱ፣-
መሰረቶም ካብ እምነት መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ ዝኾኑ ሰባት
ሮማውያን ሓድሽ ዓመት ኢሎም ዘብዕልዎ ዝነበሩ ቅድሚ ክርስትያን ምኻኖም፣ ካብታ ሮም ሃገሮም ዝተሃነጸትሉ ዕለት ጀሚሮም የብዕሉ ምንባሮም ታሪኽ ይነግር።ግሪኻውያን ካብታ እስክንድር ዝተፈልጠላ ዕለት ጀሚሮም ሓድሽ ዓመት የቖጽሩ ምንባሮም ይትርኹ።ምዕራባውያን ክርስትያን ምስ ልደት ክርስቶስ (Anno Domini) ዝተተሓሓዘ ዕለት ኣተሓሒዞም ሓድሽ ዓመት ከምዘብዕሉ ዝተፈልጠ ኢዩ።ነገር ግን ብናቶም እምነት ክርስቶስ ዝተወልደሉ ብወርሒ ታሕሳስ ምኻኑ ዝተኣመነ እኳ እንተኾነ፣ሓድሽ ዓመት ኢሎም ዘብዕልዎ ግን ጥሪ (janury) ኢዩ።እዚ ድማ ቅድሚ ክርስትያን ምኻኖም ዘምልኽዎ ዝነበሩ ጣዖታዊ ስም ምምባሩ ታሪኽ ይገልጽ።እዚ ዕለት'ዚ ማለት January ነቲ ጣዖቶም ንምኽባር ተባሂሉ ዓመታዊ ዝበዓል ዝነበረ (1st January) ምምባሩ፡ ታሪኾም የዘኻኽረና።ስለዚ እቲ ቅድሚ ክርስትያን ምኻኖም ሓድሽ ዓመት ኢሎም ዘብዕልዎ ዝነበሩ ዕለተ፡ ነቲ ጃንዋሪ ዝተባህለ ጣዖታዊ በዓሎም ኣይለወጥዎን።እቲ ሓድሽ ዓመት ኢሎም ምስቲ ንሳቶም ዘምልኽዎ ዝነበሩ ተተሓሒዙ ዝበዓል ዝነበረ ከምዘለዎ ኮይኑ፣ልደተ ክርስቶስ ግን ኣብ ታሕሳስ ምኻኑ ይኣምኑ።ሙስሊም ሓድሽ ዓመት ኢሎም ዘብዕልዎ ካብታ መሓመድ ካብ ከተማ መካ ብሽግር ዝተሰደላ ዕለት ጀሚሮም ሓድሽ ዓመት ኢሎም የኽብሩ።ካልኦት ኣብ ህንድን ቻይናን ዝርከባ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምስቲ እምነቶም ዝተተሓሓዘ ኣብ January, february murch ወዘተ ዝገብርዎ ኣሎዉ።ብኻልእ መዳይ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ደቂ ሰባት ኣእምሮኦም ብዝበጸሖ ትንታኔ ሓድሽ ዓመት ኢሎም ዘብዕልዎ ዝተፋላለየ ኣመለኻኽታ ኣሎዎም።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እምነት ዝነበሮም ኣይሁዳውያንከ ምስ ሓድሽ ዓመት ዝተተሓሓዘ እንታይ ነንብብ፣-

ኣይሁዳውያን ካብታ ካብ ግብጺ ዝወጹላ ወርሒ ጀሚሮም ሓድሽ ዓመት ወይ ርእሰ ዐውደኣመት የኽብሩ።እዚ ሮሾሸዋ ኢሎም ይሰምይዎ።ኤታንየም ዝበሃል'ውን ኣሎ። እዚ ካብታ ኣዳም ካብ ገነት ተሰዲዱ ቅዱስ ቃል ኪዳን ዝተዋህበላ ዘመን ክሳብ ዘመነ ሙሴ ንዘሎ ግዜ ኤታንየም ኢሎም ይሰምይዎ። ትርጉሙን ትሕዝትኡን ጥንታዊ ዕለት ወይ መሰረታዊ ናይ ዘመናት ጅማረ ንማለት ኢዩ።ካብ ግብጺ ዝወጹላ ዕለት ከኣ፡ እታ ብሉይ ኪዳናዊት ዕለት ኢያ።ዘጽ12፣1-2 ወዕቁበ ይኩንኩሙ እስከ ኣስሩ ወረብዑ ለዝወርሕ ወይሕረድዎ ኲሎ ማህበረምዕ ለደቂቀ እስራኤል ፍና ሰርክ ወይንስኡ እምደሙ ወይደዩ ውስተ ራግዛት ክልኤቱ ወውስተ መርፈቁ ለውእቱ ቤት ሀበ የብዕልዎ።(እዛ ወርሒ እዚኣ ንዓኻትኩም መጀመርያ፣ማለት መጀመርያ ወርሒ ናይ ዓመት፣ትኹነልኩም። ንኹሉ ህዝቢ እስራኤል ከኣ ከምዚ ኢልኩም ተዛረብዎ።ብዓስረይቲ መዓልቲ ናይዛ ወርሒ'ዚኣ ነፍሲ ወከፍ ኣቦ ስድራ ሓደ ገንሸል ይውሰድ,,,,እንዳበለ ሓዳሽ ጀማሪት ናይ ዓመት እታ ካብ ግብጺ ዝወጹላ መዓልቲ የኽብርዋ ምኻኖም ታሪኾም ይገልጸልና።በዚ መሰረት እስራኤላውያን ክልተ ዓበይቲ በዓላት ኣሎዉዎም።እዚ ከኣ ንሚያዝያ ኔሳን ይብልዋ።ንመስከረም ድማ ሮሾሽዋ ኢሎም የኽብርዋ።እዚ ርእሰ ዐውደ-ዓመት እንዳበሉ የብዕልዎ። ኣብ ታሪኾም፡ ክርስትና ዝበሃል ሃይማኖት ክቀላቐል ምስ ጀመረ ግን፡ ብዙሕ ምልውዋጥ ከምዝተኻየደ ዝፍለጥ ሓቂ'ዩ። እቶም ኣይሁዳውያን ንክርስትያን ንምጽራር፣እቶም ክርስትያን ድማ ነቲ ናይ ኣይሁድ እምነት መታን ከይሓብርዎ ብዝብክ፡ ብዙሕ ለውጥታት ከምዝተኸስተ ዝተፈላለዩ ሊቃውንቲ ይትንቱኑ።

ንሕና ክርስትያን ኦርቶዶክስ ደቂ ተዋህዶኸ፣ሓድሽ ዓመትና መዓስ ኢዩ፣-

ንሕና ደቂ ተዋህዶ፣ሓድሽ ዓመት፣ናይ ዕለታት ጅማሬ፣ካብታ ኣዳም ተስፋ ዝተዋህበላ ዕለት ጀሚርና ኢና ንቖጽር።እዚ ድማ እግዚአብሔር "ካብ ጓል-ጓልካ ተወሊደ ካብዚ ዘለኻዮ ፍርዲ ሓራ ከውጻካ'የ። ስጋኻ ለቢሰ፣ሕማምካን መከራኻን ተሰኪመ፣ንኹሉ ጾርካ ከራግፍ'የ። ሰብ ወድ ሰብ ተባሂለ ንዓኻ፡ ነታ ከሲርካያ ዘለኻ መሰል ውልድነት ክምልሰልካ ኢየ" ኢሉ ተስፋ ሂብዎ ካብ ዝነበረት ዕለት ጀሚርና ሓደ ኢልና ንቖጽር።እዚ ድማ 5500 ዓመታት ምስተፈጸመ ክርስቶስ ክውለድ ምኻኑ ተስፋ ተዋሂብና ስለዝነበረ ኢዩ።ብዙሓት ተመራመርቲ ናይዛ ዓለም፡ ዝተፈጥረትሉ ወርሒ ንምፍላጥ ብብዙሕ መዳይ እኳ ክፈልጡ እንተፈተኑ፣ዝበጽሕዎ ደረጃ ግን ዝተፈላለየ ኢዩ። ብዙሓት ፍላስፋታት ኣብ በበይኑ እዋን ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ኢዩ ዘለዎም። ቅድስት ቤተክርስትያን ግን ካብታ ኣዳም ተስፋ ዝተዋህበላ ዕለት ጀሚራ ኢያ ሓደ ትብል።ዓለም ዝተፈጥረትሉ ወርሒውን ኣብ ወርሒ መስከረም ምኻኑ ብዙሓት ናይ ቤተ-ክርስቲያን ሊቃውንቲ ዝሰማምዕሉ ነጥቢ ኢዩ።ኣብዚ ብዙሕ ዘዛርብ ነጥብታት እኳ እንተሃለወ፣ ዝበዝሑ ናይ ቤተ-ክርስቲያን ሊቃውንቲ ግን ወርሓ መስከረም ጅማሬ ናይ ፍጥረትን ንኣዳም ተስፋ ዝተዋህበትሉን ምዃና ይትንትኑ።እዚ ድማ ካብ ኣዳም ክሳብ ልደተ ክርስቶስ ዓመተ ፍዳ፣ካብ ልደተ ክርስቶስ ክሳብ ምጽኣቱ ድማ ዓመተ ምህረት ተባሂሉ ይንገር። ናይ ክልቲኡ ድምር ማለት ኩላቶም ቁጽሪ ዓመተ ፍዳን፣ዓመተ ምሕረትን ተደሚሮም ከኣ ዓመተ ዓለም ተባሂሎም ከም ዝስመዩ ቤተ ክርስትያን ትምህር።
ስለምንታይ ሓድሽ ዓመት ኣብ መስከረም ነብዕሎ፣-
1.ቀመረ ጸሓይን ወርሕን፣-
ናይ ጽሓይን ወርሕን ቀመር ወይ ዑደት ኣብ ምሉእ ዓመት ማዕረ ዝኾናሉ ግዜ ኣብ ወርሓ መስከረም ኢዩ።ክልቴኣተን ብዝፍጽምኦ ዑደት ኣብ ወርሓ መስከረም ይራኸባሞ፣ካብኡ ሓደ ኢለን ይፍልማ።ስለዚ ጅማረ ዓመት በቲ ንሳተን ዝልክዕኦ መዓልታት ናይ ዓመት ተደሚሩ ክቑጸር እንከሎ፡ ካብታ ዝራኸባላ ዕለትን ሰዓትን፡ ግዝያቱ እንዳተፋላለየ ይመጽእ።ኣብዚ ዕለተ መስከረም'ዚ፡ ብፍላይ ኣብታ ንሕና 1 መስከረም ኢልና ነብዕላ፣ለይትን መዓልትን 12 ሰዓት 12 ሰዓት ኮይነን ማዕረ ማዕረ ይኾና።

2.ምስ ምምጻእ ክርስቶስ ዝተታሓሓዘ፣-
ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዝነበረ ዘመን ናይ ኩነኔ፣ናይ ፍርዲ፣ናይ ፍዳ ዘመን ኢዩ።ኣብቲ ዘመንቲ ፍርዲ ኣምላኽ ዝዘንበሉ፣ምሕረት ኣምላኽ ዝተነፍገሉ፣ደቂ ሰባት ብሰንኪ'ቲ ዝፈጸምዎ ጉድለት ቁጥዓ እግዚአብሔር ዝዘንቦም ዝነበረ ግዜ ኢዩ።ክርስቶስ ተወሊዱ ምስ ገዛእ ርእሱ ምስዓረቐና ግን፣እቲ ዘመን ተለወጠ።በዚ ድማ፣ክረምቲ ብፍርዲን ቁጠዓን እግዚአብሔር ይምሰል።ኣብ ግዜ መስከረም ዝናብ ኣብቂዑ፣ጽሓይ  ብርሃናን ሙቖታን እትዝርግሓሉ ግዜ ከምዃኑ፣ነቲ ክርስቶስ ዝፈጸሞ ኣማናዊ ብርሃን ኣማናዊ ናይ ድሕነት ፍጻመን፡ እቲ መንፈስ ቅዱስውን ከምኡ ኣብ ቅድስት ቤተክርስትያን ዘፍሰሶ ኣማናዊ ናይ ፍሰሃ ሙቐትን ኣባና ዝያዳ ክሰርጽ ዝፈቐደሉ ኣብ ልደት ቤተ-ክርስትያን ምዃኑን ንምዝኽኻር ኢዩ።ኣብ ግዜ ክረምቲ ጭቃ ዝበዝሓሉ ግዜ ኢዩ። ቅድሚ ኣስተርእዮ ክርስቶስ ድማ ፍርዱ ጽዒቑ ነበረ።ክርስቶስ ተገሊጹ ምሕረቱ ምስ ፈነወ ግን እቲ ዘመን ተለወጠ።ሎሚ ማንም ሰብ ሓቀኛ ንስሓ ኣትዩ መንግስቱ ክወርስ ይኽእል ኢዩ።ነዚ ኢዩ ቅዱስ ሰሎሞን "እንሆ ከረምቲ ሓሊፉ.." ኢሉ ኣብ መሃልየ ማሃልይ ዝተዛረበ።

3.ምስ ምልውዋጥ ወቕቲ ንዘሎ ሕገ ተፈጥሮ 

ከረምቲ ሓሊፉ ሓረስታይ ሓድሽ ፍረ ዝሓፍሰሉ ከረምቲ ምስ ሓለፈ ኢዩ።ኣብ ግዜ ከረምቲ ደሪቖም ዝነበሩ ኣትክልቲ ይልምልሙ፣ብዕንባባኦም ገይሮም ድማ ንምድሪ ውቃበ ይህብዋ።እቶም ሓንዛማት ንህብን ካልኦት ሓሳኹን (Insects)፣ሕንዞም ሓቢኦም ኣሉታዊ ነገራቶም ከዊሎም ምጸ ምጸ ክወስዱ ናብቶም ውቁባት ኣትክልቲ ይፍነዉ።ነቲ ዝኣከብዎ ምጸ ምጸ ድማ ብሓያልን ትጉህን ኣገልግሎት ከከም ኩነታቱ ኣብ ወርሓ መስከረም ኣብቲ ዝሓሰብዎ ፍረ ማለት ኣብ መዓርን ፍረን ይበጽሑ።ብተዘዋዋሪ መንገዲ ኣብ መስከረም ሓድሽ ዘርኢ የፍርዩ ማለት ኢዩ።ደቂ ሰባትውን በቲ ክዘንቦም ዝኸረመ ዝናብ ደስተኛታት ኮይኖም ብእምነት ጉዳይ ሕርሸኦም ይገብሩ።ኣብዚ ክንጸር ዝግበኦ፣ቅዱስ ጳውሎስ ከምዝተዛረቦ፣ኣንታ ሰብ እቲ ንስኻ እትዘርኦ ዘርኢ ከይሞተ ኣይበቁልን ኢዩ ኢሉ ከምዝተዛረበ፣ሓረስታይ ዘርኢ ሞይቱ ክቦቁል ምዃኑ፣በቂሉ ድማ ኣብ ዓወት ከምዝበጽሕ ብእምነት፣ነቲ ብገንዘቡ ሸሚቱ ዘምጽኦ ዘርኢ ናብ መሬት የፍስሶ።ኣብ ግዜ መስከረም ድማ ነቲ ዝዘርኦ ዝሞተ ዘርኢ ሓድሽ እቶት ኮይኑ ይጸንሖሞ ሓፊሱ ናብ ቆፍኡ ይመልኦ።ኩላቶም ኣትክልቲውን ሓድሽ ፍረ ዘፍርይሉ ግዜ ኣብ መስከረም ኢዩ።ስለዚ መስከረም ሓንቲ ተኽሊ ሓድሽ ፍረ ኣፍርያ ንከባቢኣ እትንዕንገሉ ወርሒ ኢዩ።ኣብዚ ንኣትክልቲ ምንም እኳ ቋንቋ ወይ ልሳን ዘየብሎም ኮይኖም እንተተረፉ፣ሓድሽ ዓመቶም ግን ወርሓ መስከረም ምኻኖ ዝተፈልጠ ኢዩ።ሓረስታይውን ሓድሽ ሂዎትን ሓድሽ እቶትን ብዘእትወሉ መሰረት፣ንዑኡ ሓዳሽ ወርሒ ወርሐ መስከረም ኢያ።ስለዚ  ድማ ቅድስት ቤተክርስትያን መንፈስ ቅዱስ ብዝገለጸላ መሰረት ሓድሽ ዓመት ኣብዚ ወርሓ-መስከረም ከምዝውዕል ትገብር።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...