søndag 18. juni 2017

ቀርኒብ


በዚሐን ዘን ቅርኒብ
ዓይነይ ከይስለብ
ልበይ ዑረት ከይሕለብ

ካዕቦአን ኮይኑ ደስታ
ኣሸበን ይዕጸዋ
ኣሻበን ይኽፈታ
ንዘይግቡእ ከይሰልመታ
ነቲ ጉቡእ ግን ይዕመታ
ቀርኒብ ለቖታ
ንእኽሊ ገዲፈን ንሓጥያት ዝግብታ

እንታይ ጣቃዩ ዘይሩኡይ ዘሪኣኒ
ንዝረአ ዝኸልኣኒ
ነቲ ቅዱስ ተኸልኪለ
ነቲ ርኹስ ኣገናዕ ተባሂለ
ቀርኒበይ!

ንዕነባ ተኣዘዛ
 ናብዚ ገዲፍክንሲ
ናብቲ ትጥምዘዛ
ይሰምዓኮ ኣሎዋ የእዛን ክዕልሉ
እነሀዉ ይሽብሽቡ ብመንፈስ ይዘሉ
ተኸፈታባ ክርእያዘን የዒንቲ
ምስኦም ይሕሸን ካብ ምስቶም ተላሃይቲ
ነቶም ረቂቓን ህያዋን መናፍስቲ
ነቶም ሊቃናት ኣሕሉቕ መልኣክቲ
ልበይ ናፊቓቶም መቂሩዋዩ ግዲ
የግዲ፣
ንስኽን ጥራይ ሕራይ በላ
ልቢሲ ኣላቶ ባዕላ
ዝማሬቶም መዛሙራን ውቃበ ዓይኒ
ደርፊቶም ተላሃይቲ ሓበላ ዓይኒ
መልክዕትን ቅዱሳን እምብዛ ሳዕሪሩ
ሸውሃተ ልበይ ብስእሎም ተደሪሩ
ንሳቶም ክዝምሩ
ሕልናይ ከማዕዱ ደስታኣ ነይሩ
ቅርኒብ ብምእባያ ግን ልበይ ኣማሪሩ
ኣየ ልበይ ምስኪን
ንሳ እንክትናፍቕ
ብሰንኪ ቅርኒብ ግን ጠጥዑሙ ተኸሊእክን

ብሰንክኽን፣
ብሰንክኽን ቅርኒበይ ትኽስታ ኮይኑ
መልክዕቶም ቅዱሳን ካባይ ተሰዊሩ
ንዕነባ ተኸፈታ
ሕራይ በላኒ ኣይትሰልምታ

መልክዕቶም ስጋውያን
ሕፍረቶም ተቐሊዑ
ልበይ ነቢዑ
ንብዓቱ ንውሽጢ ነዚዑ
ንዓኽን ጽጋብ ንልቢ ግን ዓጸቦ
ዓጸቦ፣
ነቲ ነውሪ ተኻቲኽክናኒ ንኽሪኦ
ንሕልና ዝወግኦ
ጭማራኡ ሓጥያት ሰይጣን ዝጠጀኦ
ኣየ ጭማራ፣
ቀርኒበይ ግዳ ኣበይ ኢለነኦ

መጽሓፍ ተገንጸለ
ቃላትቲ ሰባኺ ፈልፈለ
ልበይ ሰምዓቶ
ቃል ፈጣሪኣ ብድምጹ ፈሊጣቶ
ኣላልያቶ፣
ናይ ምጽኣት ጥሩምባኡ ናፊቓቶ
ፍትወይ እንክትብል እምብዛ ቀሪባቶ
መሓሪት ልቡ ኣላልያቶ
ናብቲ ሕልፍኙኡ ንምእታው ብሂጋቶ
ሰሓበኒሞ ተተሓሒዝና ክንጎዪ
ኣነ ክእዘዘካ ንስኻ ክትዓዩ
ኢላ ልቢ ውዕል እንክትፍርም
ቀርኒብ ግን ሓንጊዳ
መርዓዊ ገዲፋ ውሽማ ለሚዳ

ኣየ ሰይጣን ዘይደሓን ውሽማ
ንቀርኒብ ኣታሊሉ ንልበይ ኣሕሰማ
ልበይ ድንግልናኣ ፈሪሱ
ፈጣሪኣ እንክትርኢ ንብዓታ ፈሲሱ
ፈሲሱ፣
ዶምዝ ዘይብሉ ንብዓታ
ክንዲ ንስሓኣ ድዩ ዝኹሉ ገበታ
በይና ነቢዓቶ
ቅድስና ዘየብሉ ክንድዚ ተነኽኒኻቶ

ሓይሊኮ ነይርዋዛ ልቢ
ንቀርኒብ ክትመርሕ
ናብቲ ደገኛ ምሕህረቱ ወሃቢ
ኣብ ቅድሚኡ ክትነብዕ
ዶሞዛ ክትሓፍሶ
መንግስቱ ክትወርሶ
ሲኦላዊ ገርገራ ክተፍርሶ
ተታሊላ ግን ዛልቢ
ቀርኒብ ኮይነነኣ ወዝቢ
ዘይሓሰበቶ ወዝቢ
ንሰን ይኽፈታ ምስ ጽድቂ ይማጎታ
ሓጥያት ሰሊኹ የዒንቲ ምስተኸፈታ

ኣየ ቀርኒበይ ሰንቀ
ሑጋ ኮይኑኒ ናይ ሰይጣን ማህጸ
ኣታሊልወን ሰይጣን፣
ጥዑያት እንክመስላ ከምዝነብዓ ገይርወን
ኣብቲ ዘይንበዖ ኣንቢዕወን
ንዘይጡዑም ጡዑም ኢሉወን
ናብ ዘይመንገደን ኣዘንቢልወን

ተታሊነን ቀርኒብ
ምእንቲ ክእክባ ብሓጥያት ክስለባ
ሓጥያት ክሰሉኽ ንሕልና ክኸባ
ኣጛቡዝ ንኽዝረፉ ለኽይወን ኩሕሊ
መልክዐን ረሪኦም ክወድቁ ናብ ባሕሪ
ኣየ ሓጥያት ባሕሪ
ጸረ ልቢ ጸረ ሕልና ጸረ ፈጣሪ
ኩሒልንስ ተሰዊጡ
ኣብተን ዝተኻሓላ ሰይጣን ተቐሚጡ
ኣንጻር ሕልና ድግዲጊት ኣብ ቀርኒብ ተኾይጡ

ቀርኒበይ ሕደጋ
ናብቲ ገዲፍክን ናብዚ ኣቕልባ
ኢንተርኔት ገዲፍክን መጽሓፍ ተመገባ
ወልፊ ተሓሪምክን ናብ ዘፈር ክዳኑ ልገባ
ዘፈር ክዳኑ
ሕሙማን ብኡኡ ዝደሓኑ
ሓጥኣን ብኡኡ ዝኾነኑ
ካብ ርሒቕክነዎ ትኹነና
ልገበኦ ጥፍሒ መንግስቱ ተዓዘበኦ
ቃሉ ይሕሸክን ንዕነ ረዓመኦ
በጃኽን ኣይተሓሰመኦ

እቲ ሰባኺ መጸ
መጸ መለኸቱ ነፊሑ
ድምጺ መቃልሑ
ናብ ልቢ ክኣቱ ንየእዛን ካሕኪሑ
እነሆለ ብርሃኑ ደጊሑ
ሓቀኛ ጩራ ናብ ልቢ ደጊሑ
ደጊሑ
ነፍሲ ተደሲታ ሰሚዓ መጛልሑ

ቀርኒበይ ሐራይ በላ
ናብቲ ብርሃን ዝመስል ኣይትዝለላ
ብርሃን ነይኮነ ሓሻካ ኣይትታለላ
ኣብቲ ጸልማት ኣይትኹለላ
ምእንቲ ሓጥያት ኣይትኮሓላ
መንዩ ክሕጎሰልክን ንመን ትኮሓላ
መርዓዊ እንከለክን ናበይ ትሕክላ
ሐራይ በላ ቀርኒብ
ሕልና ክትሕምበብ የዒንቲ ክሳገራ
ኣብቲ ማዕዶ ቅድስና ሓቢረን ክነብራ

ወስብሀት ለእግዚኣብሄር

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...