በስመ ሥላሴ
ዘለናዮ ዘመን፡" ንዑ ንርገም ዝብሉ እምበር፡ንዑ ንመርቕ" ዝብል ፈጺሙ ተሳኢንሉ ዘሎ ዘመን ኢዩ።ወድሰብ ሓንቲ ልሳን ተዋሂባቶ ከተብቅዕ፡ነዛ ካብ ኩሉ ፍጥረት እትፈልዮ ልሳን(ነባብነት)፡ክረግመላ ይውዕል ኣሎ።ወይ ጉድ፡-ከመይ ደኣሉ ዝሕሰቦ፧ ሓደ ሰብ እንቃዓ እንቃዓ እንዳስተንፈሰ፡" ንዑባ ኣራግሙኒ፡ክረግም ደልየ ኣሎኹሞ ኣራግመኒ፧" ዝብለኩም ሰብ ረኪብኩም ትፈልጡዶ፧ኦይ እንድዒ ንዓኹም እምበር ንዓይሲ፡መሊኦም፡እረ ኣነውን ኣብቲ ቁጽሪ እትዉ ዝኾንኩሉ ኣጋጣሚታት ቆጺርካ ኣይውዳእን።"ክሓሚ ደልየሞ፡ኣታሕምየኒ፡ክጸርፍ ደልየሞ ኣጻርፈኒ፡ክቃወም ደልየሞ፡ኣቃውመኒ፡ክቐትል ደልየሞ ኣቃትለኒ፡ክኽሕድ ደልየሞ ኣካሕደኒ፡ ክጠራጠር ደልየሞ ኣጠራጥሩኒ፡ክዕንድር ደልየሞ ኣታዓናዱሩኒ፡ክርስትናዊ ሉጋመይ ክበትኽ ይደሊ ኣሎኹሞ ኣባትኸኒ፡ክጭክን ይደሊ ኣሎኹሞ ኣጫኽኑኒ ክስዕስዕ ደልየሞ ኣሳዕስዓኒ፡ክደርፍ ደልየሞ ኣዳርፈኒ።" ብዝብሉ ሰባት ዓለምና እንዳተጎልበበት ትመጽእ ኣላ።እዚ ኩሉ ዝበልናዮ ብቃንቃ መንጽሓፍ ቅዱስ፡ወይውን ብሓሳብ እግዚኣብሄር "መርገም" ይበሃል።
ወገናተይ ነዚ ኣጽዋርዚ ሒዝኩም ዝኸድኩሞም ሰባት ከይተረደኣኩም ኣራግሙኒ እንዳበልኩሞም ኢኹም።ከምዚ ዝብሉ ሰባት ክመጽኹም፡ከለዉ'ውን 'ንዑባ ንርገም' እንዳበልኹም ኢዮም።ይዋእ ዓለም፡ክርስቶስ ክነግሰላ ዝግበኦ፡መርገም ነጊሱላ።
ኣብ ፖሎቲካዊ ዓዘቕቲ ተዋሕጡ ዘሎ ወለዶ፡እቲ ሓደ ወገን ነቲ ካልኣይ ወገን ስለዘይሳማምዖ፡ክቃወሞ ኢዩ ዝነብር።ክቃወሞ እንከሎድማ፡"ኤህ የጥፍእካ፡ተመንቆስ፡ክጠፍእ ኣሎዎ፡እንዳእገለ ክጸንቱ ኣሎዎም፡ምምባር ኣይግበኦምን ኢዩ፡ዝብሉ መሳርሒ ኣጽዋር ሒዞም ኢዮም ዝቃወሙ።እቶም ሓደ ወገን ድማ ልክዕ ብኸምዚ መልክዕ ተጠጅኦም ስብከቶም ይድርጉሑ።ኣብዚ ሕጂ እዋን ብፍላይ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ካብ ኣምልኾ እግዚኣብሄር እንዳረሓቐ ዝኸደሉ ዘሎ ዘመን፡ኣብ ክንዲ ቀናእ ብሃይማኖቱ፡ ፖሎቲካ ዝብህግ በብዕለቱ፡ኣብ ክንዲ ስመያዊ መንነቱ ዝቋምት፡ምድራዊት ሰብነት ዘህርፎ ወለዶ ተወሊድና ኣለና።ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከይዲ ሂዎት ናይ ወድ ሰብ ልሳኑ መርገም ንምውጻእ ድሕር ዘይትብል ኮይና ክሳብ ጥርዚ ናይ ምንዕዓቕ በጺሕሉ ዘሎ ዘመን'ዩ፡።
ንኣብነት ሓደ ሰብ፦
'ንሓደ ወገን ክዝልፎ'የሞ ኣዛልፈኒ፡ኤህ ይሞንቁስካ ኢለ ክረግም ደልየ ኣሎኣኩሞ፡ኤህ ኣባህለኒ፡' እናበለ ተሃንዲዱ ይመጻኩም ንበል።ኣጋጣሚ ኮይኑ ንስኹም ድማ ናይዚ ሰብዚ ተቓወምቲ ማለት ነቲ ንሱ ዝድግፎ ዘሎ ዓይነት ፓርቲ ተቓወምቲ ትኾኑ፡ኣራግመኒ፡ ኤህ ኣባህለኒ ክብለኩም፡ስለዝመጸ፡ዋላኳ ነቲ ንሱ ዝረገሞ ኣይትርገምዎ ምበር፡ነዚ ሰብዚ ብሕልናኹም፡ጥፍኣቱ እንተተመኒኹም፡ብናይ ልብኹም ልሳን እንዳረገምኩሞ ኢኹም።መርገምኮ ጸሎት ኢዩ፡ግን ፍንፉን ጸሎት።እግዚአብሔር በዚ ዝጸለኻዮ ፍንፉን ጸሎት ንጥፍኣትካ ክገብሮ ይኽእል ኢዪ።
ኣንቱም ወገናተይ፡ኣምላኽናሲ ተራገሙዶ ወይስ መርቑ ኢዪ ኢሉና፡ጽረፉዶ ወይስ ወድሱ፡ብዙሓት ፓርትታት ኮይንኩም ኣብዚ ዓለም በበይንኹም ንበሩ ድዩ ኢሉስ፡ወይሲ ሓደ ኩኑ፧ ንዝጸረፈካ ጽረፍዶ፡ንዝጸረፈካ ስሌኡ ጸሊ፧ ክዳንካ ንዝመንጠለካ ንስኻ ድማ መንጥሎዶ ወይሲ፡እታ ሓንቲ ክዳንካውን( እጀ ጠባብካካ ደኣ) ሕደገሉ፡ምዕጉርትኻ ንዝጸፍዓካ ጽፍዓዮዶስ ወይሲ እታ ሓንቲ ምዕጉርትኻውን ድገመኒ በሎ ኢዩ ኢሉና፧ እንታይ ኢና ንኾውን፡ዘለና፧ (ማቴ5፣39---44)እስከ ደጊመ ክሓተኩም ዝፈትወኩም ወገናተይ።ኣምላኽና መን ኢዩ ኣቦ መርገም ዝኾነ ሰይጣንዶ ብባህሪኡ ምሩቕ ቅዱስ ዝኾነ እግዚአብሔር፧ ኣቦ ሓሶት ዝኾነ ሰይጣንዶ፡ብባህሪኡ ሓቂ ዝኾነ ክርስቶስ፡ቀታሊ ነፍሲ ዝኾነ ድያብሎስዶ፡ብባህሪኡ ሂዎት ዝኾነ ኣምላኽና ኢዮሱስ ክርስቶስ፧ (ዮው8)
ዝተጸዋዕናሉ ዕላማ ኣብዛ ዓለም ንጸልኦም ሰባት መታን ከነጥሪ ኣይኮነን።ንዝጸልኡና ሰባት ከነፍቅር እምበር።ንዝፈትወካ ተፈተኻ ሼቐጥ ኢዩ፡ምኽንያቱ ስለዝፈተወካ ኢኻ ዝፈተኻ፡ንዝጸልኣካ ምፍቃር ግን መንፈሳዊ ጉልበት ዝሓትት ጭዋነት ኢዩ።ንዝመረቐካ ምምራቕ ትያትር ኢዩ፡ንዝረገመካ ምምራቕ ግን ናይ ክርስትያን ባህሪ ኢዩ፡እስከ ካብ ሃዋርያት እንዳተራገመ ዝነብር ዝነበረ መን ኣሎ፧
ፍርዲ ክጅምር እንከሎ፡"ስለምንታይ ካልእ ኣሚንካ" ብዝብል ዘይኮነስ፡ስለምንታይ ኣማኒ እንከለኻ ከምዚ ገይርካ ብዝብል ኢዩ ዝጅምር።ክቡር ሃዋርያ ጴጥሮስ ፍርዲ በቶም ኣብ ቤቱ ዘለና ኢዩ ዝጅምር በለ።" እስመ በጽሓ ግዜሁ፡ለፍዳ ዘያቀድም እምነ ቤቱ፡ ለእግዚኣብሄር።ወእመሰ ኮነ እምሀቤነ ኣቅድመቱ ምንተ፡እንከ ይከውን ድህሪቶሙ፧ለእለ ይክሕድዎ ለወንጌሉ፡ለእግዚኣብሄር።
(1ይ ጴጥ4፥17)"
(1ይ ጴጥ4፥17)"
ትርጉም፦
"ፍርዲ በቶም ኣብ ቤቱ ዘለና ዝጅምር ካብ ኮነስ፡እቶም ኣብ እምነት ዘየለዉ ደኣ ከመይ ክኾኑ ኢዮም፡!"ኢሉ ኢዩ ብኣስተንትኖም፡ስለዞም፡ናይ ሎሚ ኣብ ቤቱ ዘለና ግን ከኣ ፖሎቲካ ዓጢጥና፡ብዛዕባ ግብሪ ጽድቂ ንድሕሪ ኣወንዚፍናዮ ዘለና ደቁ ዘዘኻኽረና ዘሎ።ሎሚ ዳርጋ ዝበዘሕ ሰብ ኣብ ከምዚ ዓይነት ሓሸዉየ ዝእተወ እምበር፡ጽባሕ ንግሆ ፍርዲ ከምዘሎ ፈሊጡ፡ክፉእ ካብ ኣፉን፡ካብ ልቡን ንኸየውጽእ ዝወሰነ ሰብ ኣዝዩ ዉሑድ'ዩ።እዚ ተኾይኑ ከኣ ንእግዚአብሔር እሺ ክሳብ ዘይበልናዮ ናብ ዝረግም፡መንፈስ ኣሕሊፉ ይህበና።ብፍታውና ጸግ ኣቢልናዮ ካብ ከድና ብፍታዉ ይሓድገና። እትምርቅ ቤተ ክርስትያን ኣኣብ ዘለናዮ እንዳሰደደልና ተዘይተመሊስና፡ ሊቃውንቲ ወንጌል ፈትፊቶም ዝምግቡ እንዳሃለዉ፡ምድራውያን ሰበኽቲ ፖሎቲካ ካብ መረጽና፡እወ ካብ ኣበና ደኣ ንሱ ድማ ከም ምርጫኹም ግበሩ፡ኢሉ ኣሕሊፉ ንዝረግም ኣፍን፡ልብን ይህበና። (ሮሜ1፣26)
እምበኣር ምርጋምሲ ብልሳንካ ጥራይ ኣይኮነን፡ብልብኻውን ይርገም ኢዩ።ምሕማይ ከንፈርካ እናረምጠጥካ ጥራይ ኣይኮነን፡እንተላይ ልቢውን ትሓሚ ኢያ።እረ ኩሉ ሰናይ ኮነ ጽቡቕ ምንጩ ካብ ልቢ ኢዩ ዝፍልፍል።እግዚአብሔር ድማ፡ብደጌኻ እንታይ መሲልካ ዘይኮነስ ርክቡ ምስ ልቢ ኢዩ።
ፈጣሪ ናብቲ ንሱ ዝደለዮ ሕይወት ክርስትና ክነቓልብ ልቦናና ክንከፍት ሓይሉ ይልኣኸልና።