mandag 27. mars 2017

ኣማርቐኒዶ ወይሲ ኣራግመኒ ኢኻ ዝበልካ!

በስመ ሥላሴ



ዘለናዮ ዘመን፡" ንዑ ንርገም ዝብሉ እምበር፡ንዑ ንመርቕ" ዝብል ፈጺሙ ተሳኢንሉ ዘሎ ዘመን ኢዩ።ወድሰብ ሓንቲ ልሳን ተዋሂባቶ ከተብቅዕ፡ነዛ ካብ ኩሉ ፍጥረት እትፈልዮ ልሳን(ነባብነት)፡ክረግመላ ይውዕል ኣሎ።ወይ ጉድ፡-ከመይ ደኣሉ ዝሕሰቦ፧ ሓደ ሰብ እንቃዓ እንቃዓ እንዳስተንፈሰ፡" ንዑባ ኣራግሙኒ፡ክረግም ደልየ ኣሎኹሞ ኣራግመኒ፧" ዝብለኩም ሰብ ረኪብኩም ትፈልጡዶ፧ኦይ እንድዒ ንዓኹም እምበር ንዓይሲ፡መሊኦም፡እረ ኣነውን ኣብቲ ቁጽሪ እትዉ ዝኾንኩሉ ኣጋጣሚታት ቆጺርካ ኣይውዳእን።

"ክሓሚ ደልየሞ፡ኣታሕምየኒ፡ክጸርፍ ደልየሞ ኣጻርፈኒ፡ክቃወም ደልየሞ፡ኣቃውመኒ፡ክቐትል ደልየሞ ኣቃትለኒ፡ክኽሕድ ደልየሞ ኣካሕደኒ፡ ክጠራጠር ደልየሞ ኣጠራጥሩኒ፡ክዕንድር ደልየሞ ኣታዓናዱሩኒ፡ክርስትናዊ ሉጋመይ ክበትኽ ይደሊ ኣሎኹሞ ኣባትኸኒ፡ክጭክን ይደሊ ኣሎኹሞ ኣጫኽኑኒ ክስዕስዕ ደልየሞ ኣሳዕስዓኒ፡ክደርፍ ደልየሞ ኣዳርፈኒ።" ብዝብሉ ሰባት ዓለምና እንዳተጎልበበት ትመጽእ ኣላ።እዚ ኩሉ ዝበልናዮ ብቃንቃ መንጽሓፍ ቅዱስ፡ወይውን ብሓሳብ እግዚኣብሄር "መርገም" ይበሃል።
ወገናተይ ነዚ ኣጽዋርዚ ሒዝኩም ዝኸድኩሞም ሰባት ከይተረደኣኩም ኣራግሙኒ እንዳበልኩሞም ኢኹም።ከምዚ ዝብሉ ሰባት ክመጽኹም፡ከለዉ'ውን 'ንዑባ ንርገም' እንዳበልኹም ኢዮም።ይዋእ ዓለም፡ክርስቶስ ክነግሰላ ዝግበኦ፡መርገም ነጊሱላ።
ኣብ ፖሎቲካዊ ዓዘቕቲ ተዋሕጡ ዘሎ ወለዶ፡እቲ ሓደ ወገን ነቲ ካልኣይ ወገን ስለዘይሳማምዖ፡ክቃወሞ ኢዩ ዝነብር።ክቃወሞ እንከሎድማ፡"ኤህ የጥፍእካ፡ተመንቆስ፡ክጠፍእ ኣሎዎ፡እንዳእገለ ክጸንቱ ኣሎዎም፡ምምባር ኣይግበኦምን ኢዩ፡ዝብሉ መሳርሒ ኣጽዋር ሒዞም ኢዮም ዝቃወሙ።እቶም ሓደ ወገን ድማ ልክዕ ብኸምዚ መልክዕ ተጠጅኦም ስብከቶም ይድርጉሑ።ኣብዚ ሕጂ እዋን ብፍላይ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ካብ ኣምልኾ እግዚኣብሄር እንዳረሓቐ ዝኸደሉ ዘሎ ዘመን፡ኣብ ክንዲ ቀናእ ብሃይማኖቱ፡ ፖሎቲካ ዝብህግ በብዕለቱ፡ኣብ ክንዲ ስመያዊ መንነቱ ዝቋምት፡ምድራዊት ሰብነት ዘህርፎ ወለዶ ተወሊድና ኣለና።ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከይዲ ሂዎት ናይ ወድ ሰብ ልሳኑ መርገም ንምውጻእ ድሕር ዘይትብል ኮይና ክሳብ ጥርዚ ናይ ምንዕዓቕ በጺሕሉ ዘሎ ዘመን'ዩ፡።
ንኣብነት ሓደ ሰብ፦ 
'ንሓደ ወገን ክዝልፎ'የሞ ኣዛልፈኒ፡ኤህ ይሞንቁስካ ኢለ ክረግም ደልየ ኣሎኣኩሞ፡ኤህ ኣባህለኒ፡'  እናበለ ተሃንዲዱ ይመጻኩም ንበል።ኣጋጣሚ ኮይኑ ንስኹም ድማ ናይዚ ሰብዚ ተቓወምቲ ማለት ነቲ ንሱ ዝድግፎ ዘሎ ዓይነት ፓርቲ ተቓወምቲ ትኾኑ፡ኣራግመኒ፡ ኤህ ኣባህለኒ ክብለኩም፡ስለዝመጸ፡ዋላኳ ነቲ ንሱ ዝረገሞ ኣይትርገምዎ ምበር፡ነዚ ሰብዚ ብሕልናኹም፡ጥፍኣቱ እንተተመኒኹም፡ብናይ ልብኹም ልሳን እንዳረገምኩሞ ኢኹም።መርገምኮ ጸሎት ኢዩ፡ግን ፍንፉን ጸሎት።እግዚአብሔር በዚ ዝጸለኻዮ ፍንፉን ጸሎት ንጥፍኣትካ ክገብሮ ይኽእል ኢዪ።
ኣንቱም ወገናተይ፡ኣምላኽናሲ ተራገሙዶ ወይስ መርቑ ኢዪ ኢሉና፡ጽረፉዶ ወይስ ወድሱ፡ብዙሓት ፓርትታት ኮይንኩም ኣብዚ ዓለም በበይንኹም ንበሩ ድዩ ኢሉስ፡ወይሲ ሓደ ኩኑ፧ ንዝጸረፈካ ጽረፍዶ፡ንዝጸረፈካ ስሌኡ ጸሊ፧ ክዳንካ ንዝመንጠለካ ንስኻ ድማ መንጥሎዶ ወይሲ፡እታ ሓንቲ ክዳንካውን( እጀ ጠባብካካ ደኣ) ሕደገሉ፡ምዕጉርትኻ ንዝጸፍዓካ ጽፍዓዮዶስ ወይሲ እታ ሓንቲ ምዕጉርትኻውን ድገመኒ በሎ ኢዩ ኢሉና፧ እንታይ ኢና ንኾውን፡ዘለና፧ (ማቴ5፣39---44)
እስከ ደጊመ ክሓተኩም ዝፈትወኩም ወገናተይ።ኣምላኽና መን ኢዩ ኣቦ መርገም ዝኾነ ሰይጣንዶ ብባህሪኡ ምሩቕ ቅዱስ ዝኾነ እግዚአብሔር፧ ኣቦ ሓሶት ዝኾነ ሰይጣንዶ፡ብባህሪኡ ሓቂ ዝኾነ ክርስቶስ፡ቀታሊ ነፍሲ ዝኾነ ድያብሎስዶ፡ብባህሪኡ ሂዎት ዝኾነ ኣምላኽና ኢዮሱስ ክርስቶስ፧ (ዮው8)
ዝተጸዋዕናሉ ዕላማ ኣብዛ ዓለም ንጸልኦም ሰባት መታን ከነጥሪ ኣይኮነን።ንዝጸልኡና ሰባት ከነፍቅር እምበር።ንዝፈትወካ ተፈተኻ ሼቐጥ ኢዩ፡ምኽንያቱ ስለዝፈተወካ ኢኻ ዝፈተኻ፡ንዝጸልኣካ ምፍቃር ግን መንፈሳዊ ጉልበት ዝሓትት ጭዋነት ኢዩ።ንዝመረቐካ ምምራቕ ትያትር ኢዩ፡ንዝረገመካ ምምራቕ ግን ናይ ክርስትያን ባህሪ ኢዩ፡እስከ ካብ ሃዋርያት እንዳተራገመ ዝነብር ዝነበረ መን ኣሎ፧
ፍርዲ ክጅምር እንከሎ፡"ስለምንታይ ካልእ ኣሚንካ" ብዝብል ዘይኮነስ፡ስለምንታይ ኣማኒ እንከለኻ ከምዚ ገይርካ ብዝብል ኢዩ ዝጅምር።ክቡር ሃዋርያ ጴጥሮስ ፍርዲ በቶም ኣብ ቤቱ ዘለና ኢዩ ዝጅምር በለ።" እስመ በጽሓ ግዜሁ፡ለፍዳ ዘያቀድም እምነ ቤቱ፡ ለእግዚኣብሄር።ወእመሰ ኮነ እምሀቤነ ኣቅድመቱ ምንተ፡እንከ ይከውን ድህሪቶሙ፧ለእለ ይክሕድዎ ለወንጌሉ፡ለእግዚኣብሄር።
(1ይ ጴጥ4፥17)"

ትርጉም፦
"ፍርዲ በቶም ኣብ ቤቱ ዘለና ዝጅምር ካብ ኮነስ፡እቶም ኣብ እምነት ዘየለዉ ደኣ ከመይ ክኾኑ ኢዮም፡!"ኢሉ ኢዩ ብኣስተንትኖም፡ስለዞም፡ናይ ሎሚ ኣብ ቤቱ ዘለና ግን ከኣ ፖሎቲካ ዓጢጥና፡ብዛዕባ ግብሪ ጽድቂ ንድሕሪ ኣወንዚፍናዮ ዘለና ደቁ ዘዘኻኽረና ዘሎ።ሎሚ ዳርጋ ዝበዘሕ ሰብ ኣብ ከምዚ ዓይነት ሓሸዉየ ዝእተወ እምበር፡ጽባሕ ንግሆ ፍርዲ ከምዘሎ ፈሊጡ፡ክፉእ ካብ ኣፉን፡ካብ ልቡን ንኸየውጽእ ዝወሰነ ሰብ ኣዝዩ ዉሑድ'ዩ።እዚ ተኾይኑ ከኣ ንእግዚአብሔር እሺ ክሳብ ዘይበልናዮ ናብ ዝረግም፡መንፈስ ኣሕሊፉ ይህበና።ብፍታውና ጸግ ኣቢልናዮ ካብ ከድና ብፍታዉ ይሓድገና። እትምርቅ ቤተ ክርስትያን ኣኣብ ዘለናዮ እንዳሰደደልና ተዘይተመሊስና፡ ሊቃውንቲ ወንጌል ፈትፊቶም ዝምግቡ እንዳሃለዉ፡ምድራውያን ሰበኽቲ ፖሎቲካ ካብ መረጽና፡እወ ካብ ኣበና ደኣ ንሱ ድማ ከም ምርጫኹም ግበሩ፡ኢሉ ኣሕሊፉ ንዝረግም ኣፍን፡ልብን ይህበና። (ሮሜ1፣26) 

እምበኣር ምርጋምሲ ብልሳንካ ጥራይ ኣይኮነን፡ብልብኻውን ይርገም ኢዩ።ምሕማይ ከንፈርካ እናረምጠጥካ ጥራይ ኣይኮነን፡እንተላይ ልቢውን ትሓሚ ኢያ።እረ ኩሉ ሰናይ ኮነ ጽቡቕ ምንጩ ካብ ልቢ ኢዩ ዝፍልፍል።እግዚአብሔር ድማ፡ብደጌኻ እንታይ መሲልካ ዘይኮነስ ርክቡ ምስ ልቢ ኢዩ።

ቅድሚ ንዑኡዶ ንኻልእ ምምራጽና፡ቅድሚ ረገምቲ ምዃንና፡ወይውን ድሕሪ ረገምቲ ምኻንና፡ኩሉ-ምሉ ዝሕሸና ንሱ ኢዩ ዝፈልጥ።ድሕሪ ምውዳቕና ግን መታን ክንትስእ ኢሉ፡ ዝሕሸና ዳግመግምት መታን ክንገብረሉ ኢሉ ብውሕሉል ወንጌሉ ጌሩ ይምህረና።ኣንቱም ሰባት ቅጽዓት እግዚአብሔር ትምህርቲ ኢዩሞ ኣይነምርሮ፡ወይ ውን ብኻልእ ኣይነቕንኣዮ።ኩሉ ንዓና ኢሉ ዝህበና ዝጠቕመና እምበር ንዓና ዝጎድእ ካብ እግዚአብሔር ከቶ ከምዘይፍኖ ኩሉ ክፈልጦ ዘለዎ ሓቂ ኢዩ።ተዘይምህረናኸ እንታይ ምገበርና፡ግብረሶዶም ኣብ ኣእምሮና፡"ኖርማል'ዩ) ንኸይንብል ደጊፍና ዘሎኮ ስለዘይገደፈና ኢዩ።እምበር ፈጺሙ ተዝሓድገናስ፡ካብዚ ዘለናዮ ፈጺምና ምበኣስና።እወ ብርግጽ ተዘይተመሊስና፡ህልውናና ዝበኣሰ ዝኾነሉ ራሕቂ፡ንዮ ርሑቕ ኣይኮነን። ሰብ ጥብሕ ጥብሕ ኣቢልካ ናይ ምምብላዕ ዝጅመረሉ ግዜ ርሑቕ ዝኾውን ኣይመስልን።ኣካይዳና ከነዕሪ፡ናብ እግዚአብሔር ንመለስ።
ፈጣሪ ናብቲ ንሱ ዝደለዮ ሕይወት ክርስትና ክነቓልብ ልቦናና ክንከፍት ሓይሉ ይልኣኸልና።

ሎቱ-ስብሐት!

በቲ post ዝገበርካዮ መን ምኻንኻ ተኸሻሕካ፣

በስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን፡
በቲ post ዝገበርካዮ መን ምኻንኻ ፈለጥኩ፡
ኣብዚ ዘለናዮ ዘመነ ቴክኖሎጂ፡ሰብ ንሓንቲ መልእኽቲ ንምብጻሕ ቀደም ዘመን ብእግሩ፡ብምኻድ ዘበጻጽሕ ዝነበረ፡ሕጂ ብሓንቲ ሰከንድ ዝጸሓፍካዮ ደብዳበ ብዘመናዊ መሳርሒ እንክበጽሕ፡ናይቲ ዝጽሓፍካዮ ወይ ዝለኣኽካዮ መልእኽቲ ድማ እቲ ተቐባሊ ደብዳበ፡ዘለዎ ርሕቀት ብኣሽሓት ሚሊዮናት ኪሎሜተር ርሒቑ ዋላ እንተሃለወ፡ናይዛ ደብዳቤኻ ተማቓሊ ንምኻን ግን ክሳብ ኣብ ኢዱ ዝርከባ ዳርባ እምኒ እካ ኣይከድን።ኣብ ኮፍ መበሊኡ ተኾይጡ እናሃለወ፡እታ ሞባይል ደ
ብዳበ መጺካ ኣሎ፡ንኽትብል ምልክት ትገብረሉ።
ኣብ ዓድና ሓዘን እንተጋጢሙ፡ነዚ ሓዘንዚ ተማቐልቲ ኩኑ ንምባል ደብዳበ ኣይኮነን ዝጽሓፍ ነይሩ።እካድኣ ንፉዓት መእወይቲ፡ንዓዲ ምልእቲ ክንቕንቅ ዝኽእል ድምጺ ዝውንኑ እግሮም ውን ነዊሕ ጉዕዞ ከይደን ዘይርብርባ የእጋር ዘለወኦም ሰባት ተሓሪዮም ኢዮም ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ እናኸዱ ዘእውዮ ነይሮም።ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ተለዊጡ፡ማስሜድያ ንብስራት ይኹን ንመርድእ ናይ ክልቲኡ ተውለ ኮይኑ ይዓዪ ኣሎ።
ቅዱሳን መንፈሳዊ መልእኽቶም ንምጽሓፍ ዝሓልፍዎ ዝነበሩ መንፈሳዊ ተጋድሎ፡በዛ ዝጽሕፈላ ዘለኹ ቅንጣብ ሞባይ ገይረ ክገልጾ ኣይክኣልኩን።ግን ቀለም በጽቢጾም ከም ብርዒ፡ቆርቦት ኣልፊዖም ከም ወረቐት፡ንቅዱሳን መጽሓፍቲ ምሉእ ይጽሕፉ ነይሮም እንተኢለኩም ዘይክትኣምኑኒ ትኽእሉ ኢኹም።ግን ናብ ገዳሞም ኪዱሞ ኣሰሮም ክሳብ ሕጂ ከይሃሰሰ ክትረኽብዎ ኢኹም።ሎም ሓደ ሰብ መንፈሳውነቱ ንኽገልጽ፡ዝጥቀመሉ ዓይነት ኣጸሓሕፋን፡ኣሳድዳ ደብዳበን ግን ኣዝዩ ዝተፈለየ ኢዩ።ቁርን ሃሩርን ከይህረም ሳሎን ከም በዓቲ፡ብቀለምን ቆርበትን ከይላዲ ከይልኪ ድማ፡ጽሒፍካላ ወረቐታ ዘይዳእ ኮምፒዩተር ሒዙ ይጽሕፍ እሞ፡ንዓባ ተላኣኸኒ፡ኣብጽሓለይ ዘየብላ send ምስ በላ ብሓቲ ረምታ posted ትብሎ።
ኦ እግዚኣብሄር ኣዝዩ ዝፈትወኩም ወገናት፡በዚ ሎሚ ንገብሮ post መንነትና ይኽሻሕ ኢዩ። ብዙሕ ግዜ ኣብ facebook ሰብ add ይብሉኒሞ፡መን ክብል ኢለ ክሓቶም እንከለኹ፡በቲ ዝሰደድካዮ ስለዝተሳሕብኩ ኢየ add ዝበልኩኻምበር ኣይፈልጠካን ኢየ፡ዝበሉኒ ብዙሓት ኣጋጢሞምኒ ኣሎዉ፡ገሊኦም ድማ በቲ ዝረኣይዎ ተቖጢዖም "ድሕሪዛ ሕጂሞ ከምኣ ግበር ኢኻ፡block ክገብረካ ኢየ እናተባሃሃሉ ንሓድሕዶም ብናይ ምፍርራሕ እምኒ ክሰናደዉ፡ነዘን የእማን እዚኤን ኣብ commet በጨቕ ኢለን ይረኣያ ኢየን።ኣብ ገለ ኣጋጣሚታትውን፡ገጾም ብሓዘን ከሰል መሲሉ እንክረአ ናይ መልቀስ ግምጃ ለቢሶም፡የልቅስ ኣሎኹሞ ኣላቑሱኒ ንኽብሉ ጸሊም ካባ ገይሮም profile ጥፍዕ የብልዎሞ፡እቲ ኣብ ርሑቕ ዓዲ ሰፊሩ ዘሎ ወገን፡ነዚ ርእዩ መልቀስነቱ ንኽገልጽ R,P ኢሉ ይጽሕፍ።ኣልቂሱ ድዩ ኣየልቀሰን፡አይ አይ ኢሉ ድዩ ኣይበለን ግን እግዚኣብሄር ዋንኡ።ኣብ ካልእ ዓውዲ ድማ ኣብ ኣእሙራዊ ስነኪናት ተመኩሮ ዝወሰዱ ዝመስሉ፡ኣብዚ ክስቶ ዝብሃል ዓዲ ከምዚ ኮይኑ፡ሃገረ ክስቶ ከምዚ ገይራ፡መንግስቲ እገለ ከምዚ ገይሩ ዝብል ወረ ንግሆ ንግሆ መመጽኡ ይረኣየናሞ፡ልብና ነዚ ርእያ ውላዳ ከምዝጠፈአ ሰበይቲ ከብድና ብፍርሒ ይሕቆን።
ኣብዚ ስነ ሞገተ ዘለዎ ዓውደ መራኸቢ ብዙሓን፡ኣብ facebook፡ኣብ viber፡ኣብ wasap፡ኣብ imo,ወዘተ እንሰዶም ደብዳቤታት እንታዎት ምኻንና ንመን ከምንመስል፡ዝነግሩ ንምስልና ቁልጭ ኣቢሎም ንምሉእ ዓለም ዝነግሩ መስቲያት ምኻኑ ብሩህ ኢዩ። ስእሊ post ምስተባህለ "እዋእ ወዲ ኣገለሲ ክንድምንታይ ኢዩንታ ኮይኑ፡ክላእ እዛ ጋልዚኣ ከኣ ምስ ክንደይ ኣወዳት ኢያ ወደይ ክትስኣል፡ኣቤት ጥራሕ ዝባና፡ሓለፍና ክብላስ ሞጎጎ ይዓጥና ኮይኑ፡እዚኣስ ሕጂ ሕጂ መጺኣስ ድሮ ናይ ዓዳ ሓመድ እካ ዘይነገፈትሲ ኣብዚ መጺኣ ጥራሓ ክትሰኣል፡እነሆለ እቲ ኣብ ዓዳ ዝነበረ ጭውነታ ኣፍ ኣውጺኡ ጭዋ ጋል ጭዋታት ምኻና እንዳመስከረስ፡ነዚ ክትቃወም እንክትብል ብባርነት ሓጥያት ዝተኣሰርኩ፡ንሓጥያት ዝተሸጥኩ ኢየ ኢላ ሕፍረታ ቀሊዓ ብስእሊ ከተርእየና፡" እንዳበልካ እተማርረሉ፡ምስሊ እታ ሰብ መን ምኻና በቲ post ዝገበረቶ ስለዝገምገምካ ኢዩ።ብኻልእ መዳይውን ኣይ "እዚኸኣ እዝኑ ተሰቒሩ፡ስሪኡ ማዓኮሩ እንዳተራኣየ፡ሽጋራ ኣብ ኢዱ ጨቢጡስ ንመን ክመስል ስለዝደለየ ኢዩ፡ኣብ ዓዱ ደኣ ከምኣ ዘይገብር ዝነበረ፡ወይዚ መዋረዲ ስድሩኡን ሃገሩን እባ ኣዋሪዱ፡ኣዋሪዱና!" ኢላ ልብና ቅሬታኣ እትገልጸሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ። ስለምንታይ ኢዩ እንተ ኢልና፡እቲ post ዝተባህለ ምስሊ ልቢ ናይቲ ሰብ ዓው ኢሉ ስለዝዶርጉሓልና ኢዩ።
ወገናተይ፡መቸም ጽቡቓት፡ዉርዙያት፡ለባማት ተባሂልኩም ብኣምላኽ መታን ክትነኣዱ እምበር፡ብሰባት መታን ክትውደሱ ኢልኩም ከምዘይትገብሩ ግምት ኣሎኒ።የግዳስ እቲ post እንገብሮ ኣብ ምሉእ ዓለም ተዘርጊሑ ብዛዕባና ዘውሪ ዓቢ ድምጺ ምኻኑ ክንፈልጥ ኣሎና።post ዝገበርናዮ ሕማቕ እንተኾይኑ ቀዳሞት ተነቀፍቲ ንሕና ኢና፡post ዝገበርና ሰናይ ተኾይኑውን ቀዳሞት ተነኣድቲ ንሕና ኢና።ነዚ ቅሬታ ተሰሚዑ ነቐፌትኡ ዝዱርጉሕ ድማ ቀዳማ ምይ መን ኢዩ፧ ኢልና እንተሓሲብና፡ሰብ ኣይኮነን።ብዝገበርናዮ ሰናይ post ኣገናዕ፡ከመይ ዝበለ ደስ ዝብለካ ሰብ ኢዩ ወደይ፥ኢሉ ዝንእደናውን ሰብ ኣይኮነን።ሰብ post ምስ ገበርናዮ፡እሞድማ ምስ ኣምበቦ ወይ ምስረኣዪ ኢዩ፡ዝንእድን ዝነቅፍን እምበር post ከይገበርናዮ ክፈልጦ ኣይክእልን።ገና post ከይበልናዮ ኣብ ልብና ጽሒፍናዮ ዝጸናሕና፡ገና ናብ ዓለም ከይተዘርግሐ እንከሎ፡እረ ገና ኣብ facebook login ከይበልና እንከለና እንታይ post ክንገብር ምኻንና ኣምቢቦ ዝፈልጥ ግን እግዚኣብሄር ኢዩ።ስለዚ በቲ ገና ክንገብሮ ዝሓሰብና ክፉእን ንሰባት ቅሬታ ዘስምዕን፡ገና በገንኡ እግዚኣብሄር ይሓዝን።በቲ ክንሰዶ ዝሓሰብና ሰናይ ነገርውን ገና ከይሰደድናዮ እንከለና ኣገናዕ እንዳበለ ይሕጎሰልና።
ክብሪ ምስጋና ንዑኡ ይኹን።እሞ ወገናት ምስልና ርእዩ እግዚኣብሄር በቲ ክንገብሮ ዝሓሰብና ከይነቕፈና ዘንቅፍን ንሕልና ዘነውርን ደብዳበ post ኣይንግበር።በቲ ዝገበርናዮ ርእዮም ሰባት ኣብ comment ናይ ምርጋም እምኒ ከይስንድውልናውን እንገብሮ ኩሉ ንጠንቐቕሉ።
ስብሀት ለእግዚኣብሄር ሰብሀት ለማርያም ኣመ ኣምላክ፡ስብሀት ለቅዱስ መስቀሉ ኣሜን።

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...