fredag 27. september 2019

በእንተ ዉሉዳት!... "ብሩኽ ውላድ ካብ ኣምላኽ ድዩ ወይሲ ካብ ሰብ?"


ዉሉድን ወላድን!

በስመ ስላሴ!

√ ትርጉሙ ዉሉድ፡ "ተወልደ፡ ይትወለድ፡ ተወላዲ" ካብ ዝብሉ ግእዛውያን ግሲ መበቆል ዝገበረ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ውሉድ ዝምልከቱ መግለጺታት ጠርኒፉ ዝርከብ ዓቢ ሓይለ ቃል'ዩ። ወላዲ ማለት ድማ፡ "ወለደ፡ ይወልድ" ዝብል ሱር ግሲ ዘለዎ ኮይኑ፡ ንኹሉ ዓይነት ወላዲ ዘርዚሩን ጾሚቑን ዝገልጽ ዓቢ ቃል'ዩ።

ዓይነታት ዉሉዳት፦

√ ኣምላኻዊ ናይ ባሕርይ ውሉድ፡
እዚ ንፈጣሪ ጥራይ ዝውክል ዓይነት ናይ ወላድነትን ተወላድነትን ኮይኑ፡ ክልተ ገጻት ዘለዎ'ዩ።
 ንሳቶም ድማ ቅድመ ፍጥረት ዓለም ብዘይ ኣደ፡ ድሕሪ ፍጥረት ዓለም ብዘይእቦ ኢዮም!

+ ቅድመ ፍጥረት ዓለም ብዘይ ኣደ ማለት፡ እግዚኣብሔር ወልድ ካብቲ ብባኅሪ ዝተኻኸሎ፡ ብስልጣን ይኹን ብፈጣርነት ዘይንእሶ ናይ ባሕርይ ኣቡኡ፡ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ክሳብ ዘልኣለም ዝውለደሉ ኣምላኻዊ መስርሕ'ዩ። ማለት ኣቦ ክሳብ ዝሃለወ፡ ወልድ ክህሉ ግድን ስለዝኾነን ኣቦ ብዘይ ወልድ "ኣቦ" ከስምዮ ስለዘይክእልን'ዩ። እዚ ክኸውን እንከሎ ግን ከም ናይ ስርዓተ-ተፈጥሮ፡ ብጾታዊ ምውልላድ ዘይኮነስ፡ ጾታ ኣልቦ ዝኾነ ረቂቕ ናይ ኣምላኽ ዕዮ ኢዩ።

+ ድሕሪ ምፍጣር ዓለም ብዘይ ኣደ ማለት ድማ፡ እግዚኣብሔር ወልድ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ካብ ስጋኣ ስጋ፡ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ብፍቓዱን ፍቓድ ኣቡኡን ስምረት መንፈስ ቅዱስን ብመልክዕ ልደት፡ ብሕቱም ድንግልና ተጸኒሱ ብሕቱም ድንግልና ዝተወልደሉ፡ ንኣምላኽነቱን ሰብኣውነቱን ብተዋህዶ ተሪኹ ከረድእ ዝኽእል ኣዝዩ ዓብን ረቂቕን መንፈሳዊ መስርሕ'ዩ። እዚ ማለት ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ብዘይ ዘርኢ ተባዕታይ ስለዝተወልደ፡ ኣብዛ ምድሪ ብስጋ ዝወለዶ ኣቦ የብሉን፡ ብስጋ ዝወለደቶ ኣዴኡ ግን ሰብ ጓል ሰብ ኮይና፡ ጓል ሃና ጓል ኢያቄም'ያ ቅድስት ድንግል ማርያም። እዚ ኮይኑ እንከሎ፡ እዛ ቅድስት ኣደ እዚኣ " በል ወደይ፡ ኣነን ኣቡኻን ተሸጊርና ክንደልየካ ቀኒና...፧ ሉቃ2፣48"  እንክትብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ነንብብ ኢና። ኮይኑ ግን "ኣቦኻ" ኢላ ጠቒሳቶ ዘላ ጻድቕ ዮሴፍ ኣረጋዊ፡ ንወዳ ብስጋ ኣቡኡ ኮይኑ ዘይኮነስ፡ ከም ሓደ ተኸናኺኑ ዘዐቢ ሰብ፡ ብስጋ ሓብሒቡ ስለዘዕበዮን ዕድመ ዝደፈአ ሽማግለ ምንባሩ ንከተነጽር ኢላ ኢያ። ኣብ ልማድ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብስጋ ዘዐበየካ ሰብ፡ ዋላ ኣይውለድካ "ኣቦይ" ከም እትብሎ፡ ንሓደ ሽማግለ ሰብኣይውን ከማኡ መን ምኻኑ ብዘየገድስ ዕብየቱ ሽምግልንኡን ንኸተነጽር "ኣቦይ" ኢልካ ከምትጽውዖ ንጹር'ዩ።

√ ናይ ጸጋ ዉልድነት፡
እዚ ድማ ንሕና ኣመንቲ እግዚኣብሔር ብመንገዲ'ቲ ፈጣሪ ዘቐመጠልና መንፈሳዊ መለክዒታት፡ ምስ ሓለፍና ዝወሃበና ናይ ጸጋ ውልድነት'ዩ። ባሕርይና ኣምላኽ ዘይክንሱ፥ ብመንገዲ ጥምቀት ኣቢልና ምስ ሰገርና፡ ካብ ኣምላኽ ከምዝተወለድና ደቁ ገይሩ ይሓስበና። ኣብ'ዚ ክንጸር ዘለዎ ነገር እንተሃልዩ ግን፡ ክርስቶስ ኣምላኽና፡
"ኣብ ሰምይ ሓደ ኣቦ ስለዘለኩም፡ ኣብ ምድሪ ንሓደ እካ ኣቦ ኢልኩም ኣይትጸውዑ...!!ማቴ23፣9" ኢሉ ንሓዋርያቱ ከስተምህሮም ነንብብ ኢና። እዚ ዝበለሉ ምኽንያት ግን፡ ነቶም ብስጋ ዝወለዱና ወለዲ ወይ ድማ ኣቡ ነፍስና ወይዉን ሽማግለታት ዓዲ፡ ኣቦ ንከይበሃሉ ክቃወም ኢሉ ኣይኮነን።፡ ስለ ትዕቢትን ምንጩን ከረድኦም ኢሉ ኢዩ። ማለት ኣብቲ እዋን እቲ ፈሪሳውያን፡ ብትዕቢት ተወጢሮም "ብዘይካና ኣቦ ይኹን መምህር የለን!" ብምባል ልዕሊኦም ኣምላኽ ከምዘሎ ክሳብ ዝርስዑ ዝኾንሉ እዋን ስለዝነበረ፡ ክርስቶስ ኣምላኽና፡ "እቲ ንርእሱ ልዕል ልዕል ዘብል ክሓስር ኢዩ፡ ርእሱ ዘትሕት ግና ልዕል ክብል'ዩ።" ብምባል ኣብተን ቀጺለን ዘለዋ ጥቕስታት ናይዛ ምዕራፍ ገሊጹዎ ኣሎ። እዚ ማለት ዋላ እካ ክንዲ ዝኣከለ ዝኣክል ልዕልናን ፍልጠትን ይሃልወና፡ ልዕሌና ፈጣርን ብባህሪኡ ኣምላኽን ከምዘሎ ፈሊጥካ ፥ ትሕት ምባል ከምዘድሊ ከረድእ ኢሉ'ዩ። ኣብ ካልእ ጽሑፋት'ውን፡ "ንስኻትኩምሲ ካብቲ ኣቦኹም ዲያብሎስ ኢኹም፡ ትምኒት እቲ ኣቦኹም ክትገብሩ ኢኹም'ውን ትደልዩ ዘለኹም...!! ዮሓ8፣44" እናበለ ክምህር እንከሎ ነንብብ ኢና። እዚ ድማ ንሰይጣን ምስቲ ኣቐዲሙ፡ "ኣብ ሰማይ ሓደ ኣቦ ኢዩ ዘለኩም " ዝበሎ እግዚኣብሔርነቱ ከመዓራርዮ ደልዩ ዘይኮነስ፡ ንኹሉ ንድርቅናን ክፍኣትን ሓጣውእ ምንጮም ዲያብሎስ፡ ንዑኡ ዝስዕብ ዘበለ ድማ ኩሉ ብግብሪ ካብኡ ዝተወልደ ምኻኑ ንኸረዳ ኢሉ'ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ብሰናይ ይኹን ብክፉእ ብዘየገድስ፡ ብግብሪ ዝወልዱና ኣካላት ከምዘለዉ የረድእ ኣሎ ማለት'ዩ።

√ ናይ መንፈስ ውልድነት (ካብ ሰባት)፡
እዚ ድማ ሓደ ክርስቲያን ዉሉድ ይሃልዎ ኣይሃልዎ ብዘየገድስ፡ ንሱ ኣብነታዊ ኮይኑ ዘዕበዮ ሰብ ተልይዎ፡ እቲ ተማሃራይ፡ ነቲ መምህር ናይ እምነት  ወዱ ኢዩ። ንኣብነት፡ ቅዱስ ጳውሎስ ዘይተመርዓወን ድንግልን ክንሱ፡ "ጢሞጥዎስ ወደይ፡ ቲቶ ወደይ፡ ወደይ ኣናሲሞስ፡ ኣቱም ደቀይ... 1ጢሞ1፥2 ቲቶ1፣4  ፊል1፥10!"  ዝብሉ ተደጋገምቲ ጽሑፋቱ ነንብብ ኢና። እዚኣቶም ድማ ምሂሩ ኣብነቱ ጔሩ፡ ብመንፈስ ዘዕበዮም ደቁ ስለዝኾኑ'እምበር፡ ከምቲ ዝተባህለ ገዛእ ርእሱ ምስ ፈጣሪ ኣመዓራርዩ 'ምስቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ይተኻኸል'የ' ኢሉ  ክነግር ስለዝደለየ ኣይኮነን።

√ ናይ ንስሓ ዉሉድ (ኣብ ትሕቲ ኣቡ ነፍሲ ዝምዕቆብ ክርስቲያን)፡
እዚ ውልድነት'ዚ፡ ሓደ ክርስቲያን ኣቡ-ነፍሲ፥ ማለት ናይ ንስሓ ኣቦ ምስ ሓዘ፡ እቲ ካህን ነዛ ንንስሓን መንፈሳዊ ነገራትን ጓሳ ዘድልያ ነፍሲ፡ ከም ኣቦ፡ እታ ክርስቲያናዊት ነፍሲ ድማ ከም ዉሉድ ኮይኖም ዝነብርዎ መንፈሳዊ  ኪደት'ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ኣብ መልእኽቱ ኤፌ4፣11 "ናይ ነፍሳት ጓሶት" ብምባል ነቶም ካህናት ኣቦታትን ነቶም ናይ ንስሓ ደቆምን ብሓንቲ ቃል ጠርኒፉ "ናይ ነፍሳት ጓሶት" ኢሉ ጽሒፍልና ኣሎ። መዝ 23፥1 ድማ "እግዚአብሔር ጓሳየይ'ዩ" ይብል። ናይ ነብሳት ጓሶት ዝተባህሉ ግን ኣብ ትሕቲ እግዚአብሔር ብጸጋ ንክርስቲኣናት ክጓስዩ ዝተረቚሑ'ምበር፡  ብባሕርይ ምስ ፈጣሪ ዝተኻኸሉ ኴኖም ኣይኮኑን።

√  ኣባ-ልገ፡
እዚ ዉሉድነት'ዚ፡ ሓደ ክርስቲያን ብመንገዲ ጥምቀት ኣቢሉ ካብ ፈጣሪኡ ብጸጋ ምስተወልደ፡ ብኡ-ንቡኡ ካብቶም መእመናን ሓደ ብፍሉይ ተመሪጹ፡ እቲ ሕጻን ክሳብ ክንዲ ሰብ ዝኣክል፡ ብሓደራ ከም ስምኦን ኣረጋዊ ኣባ ልገ ኮይኑ ንክከናኸኖን፡ ትምህርተ ሃይማኖት ክምህሮን ኣብነት ክኾኖን ብሓደራ ዝቕበሎ ሰብ'ዩ። ስለዚ እቲ ተሓዚ ኣባ ልገ ከም ኣቦ፡ እቲ ህጻን ድማ ከም ውሉዱ ኮይኖም ይነብሩ ማለት'ዩ።

√ ናይ ስጋ ወላድነት፣
እዚ ወላድነት ወይ ዉልድነት'ዚ፡ ሓደ ሰብ ብባህሪኡ ምስ ዝመሳሰሎ ኣንጻር ጾታ ዝኾነ ሰብ፡ ብሕገ-ሩኳቤ ብመንገዲ ተፈጥሮኣዊ ወሲብ ኣቢሉ ዉላድ እንተድኣ ወሊዱ፡ "ወደይ" ይብሎ፡ እቲ ሕጻን ድማ ከም ወላዲኡ ይሓስቦ። ኣብ'ዚ ፍልይ ዘብሎ ነገር እንተሃልዩ፡ ክልቲኣቶም ብተፈጥሮ ማዕረ ዝኾነ ባሕርይ ዘለዎም ኮይኑ፡ እቲ ወሲባዊ ናይ ኣቦን ዉሉድን መስርሕ እናተሰጋገረ ዝኸይድ ሰንሰለታዊ መስርሕ'ዩ። ስለዚ እቲ ሕጻን'ውን ጽባሕ ንግሆ፡ከምኡ ዝኾኑ ዉሉድ ካብ ዘርኡ ከፍሪ ምዃኑ ርዱእ'ዩ። ንኣብነት፡ ኣቦና ኣዳም ካብ ኣዴና ሔዋን ብቅዱስ መውስቦ ንኣቤልን ቃየልን ክወልዱ እንከለዉ፡ ኣቦና ኣብርሃም'ውን ንዕስማዔል ብዘይ ሕጋዊ ካብ ኣጋር፡ ንይስሓቕ ድማ ብሕጋዊ መውስቦ ካብ ቅድስት ሳራ ከምዝወለደ ንፈልጥ ኢና።

√ ኣቦነት ናይ ዕድመ ምድፋእን ሽምግልናን፡
እዚ ኣቦነት ወይ ዉልድነት'ዚ፡ ሓደ ሰብ እምነቱን ስነ-ምግባሩን ከመይ'ዩ ብዘየገድስ፡ ኣብዛ ዓለም ናይ ስጋ ዕድመ ጸጊቡ ኣብ ናይ ሽምግልና ግዜ ምስ በጽሐ፡ ንዝኾነ ዓይነት ህጻን ወይ መንእሰይ ከም ኣቡኡ፡ እቲ ንእሽቶ ድማ ከም ወዱ ኮይኖም ዝነብርዎ ማሕበራዊ ናብራ'ዩ። ስለዚ እቲ መንእሰይ፡ ንዝኾነ ሽማግለ ሰብ፡ ብስሙ ዘንጢሉ ኣይጽውዖን፡ እንታይ ደኣ "ኣቦ፡ ኣቦይ ዓቢ፡ ኣቦይ እከለ!" እናለ ይጽውዖ፡ እቲ ሽማግለ ድማ "ዝወደይ!" ዝብል ቅጽል ስም ይጥቀም። ስለዚ እምነቶምን ዓይነት ሰብኣውነቶምን ብዘየገድስ፡ ክልቲኣቶም ከም ኣቦን ወድን ኮይኖም ማሕበራዊ ክብርታቶም ክወሃሃቡ ይረኣዩ። ኣብነት ዝኾነና፡ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነቶም ክኸስዎን ንሞት ኣሕሊፎም ክህቦን ተሃንዲዶም ዝነበሩ ዕድመ ዝደፍኡ ሽማግለታት ናይ ኢዮርሳሌም፡ ኣብቲ መደያዪቦ ኮይኑ ክዛረብ እንከሎ፡ "ኣቱም ኣቦታተይን ኣሕዋተይን!" (ግብ22፥1) ኢሉ ዘረባ ከም ዝጀመረ ነንብብ ኢና። እዚ ድማ ኩሎም ብስጋ ስለዝወለድዎ ወይ ናይ እምነት ወለዱ ኮይኖም ወይ ድማ ኣባልገታቱ ኮይኖም  ዘይኮነስ፡ ሽማግለታትን ብዕድመ ዓበይትን ብምንባሮም ጥራይ'ዩ። ስለዚ ንሳቶም ከም ወለዱ፡ ንሱ ድማ ብስጋዊ ዕድመ ከም ዉሉዶም ይኸውን ኣሎ ማለት'ዩ።

ምንጪ ምስሊ ናይ ሓደ ጥዑይን ብሩኽን ሕጻን ካበይ'ዩ?

√ እጃም እግዚኣብሔር፡-
ነዚ ህጻን'ዚ ኣብ ማሕጸን ተመስሪሑ፡ ብሰላም ናብዛ ዓለም ክውለድ ዝገበረ እግዚኣብሔር'ዩ። ስለዚ ቀንዲ ዋንኡ ናይዚ ህጻን እግዚኣብሔር'ዩ፡ ነገር ግን ኣብዛ ዓለም ከም ፍቓዱ ሰራሕተኛታት ኮይኖም ነዚ ሕጻን ከዕብይሉ ዝኽእሉ ሰባት ድማ ይደሊ እግዚኣብሔር። ስለዚ ድማ ነዚ ሕጻን ባዕሉ ሰሪሕዎ ከብቅዕ፡ ንሰባት ኣቡኡን ኣዴኡን ኮይኖም ከዕብይሉ ብሓደራ ይህቦም።
 "ኣዕይንትኻ ድቂ ኸለኹ ረኣያኒ...መዝ139፣16)" ዝብል ጽሑፍ እኹል ኣብነት'ዩ።

√ እጃም ወለዲ፡
እዚ ሕጻን'ዚ ናብዛ ዓለም ምስ መጸ፡ ብቐረባ ዝፈልጦምን ጥዑይ መንገዲ ክመርሕዎ ዝኽእሉን እቶም ናይ ስጋ ወለዱ ኢዮም። ብፍላይ ድማ ኣዴኡ ኣብ ነጥበ መቐይሮ  ሕይወት ናይዚ ሕጻን ልዑል ሱታፌ ኣለዋ። ስለዚ እዚ ሕጻን ጥዑይን ናይ ኣምላኽ ሰብን ኮይኑ ክዓቢ እንተኾይኑ፡ ብመጀመርያ ወለዱ ጥዑያትን ናይ ኣምላኽ ሰባትን ንምኻን ቀዳምነት ይሓትት። እምበርከስ ድምር ሕይወት ናይ'ቲ ሕጻን ትርጉም ዝህልዎ፡ ኣብ'ቶም ብቐረባ ዝረኽቦም  ወለዱ ስለዝምብርኮስ'ዩ። ብፍላይ ሕጻን ናብዛ ዓለም ናጻን ፍልጠት ኣልቦን ኮይኑ ስለዝመጽእ፡ እቶም ኣብ ምሉእ ሕይወቱ ብግብሪ ዝንጸባረቑ ገጻቱ፡ ኩላቶም ኣብቶ'ም በብዕለቱ ዘንብቦም ነገራት ዝተመርኮሱ ስለዝኾኑ፡ ወለዲ ንመንፈሳውን ስጋውን ሕይወቶም ብብዙሕ ጥንቃቐታት ዝተቓመመ ክኸውን የድሊ። እዚ ማለት ቤቶም መሰረታዊት ቤት ትምህርቲ ናይ'ቲ ሕጻን'ያ። ስለዚ ዕለታዊ ጸሎት፡ ስግዳን፡ መዝሙር፡ ንስሓ፡ ምርድዳእ፡ ምብልላሕ፡ ስነልቦናዊ ልዝብ፡ ኣብ እዋናውያን ነገራት ምርኩስ ዝገበሩ ስነ-ሞጎታት (Daily Logics)፡ ኣካላውን ሞራላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ልምምዳት... ወዘተ ዝኣመሰሉ ነገራት ከም ዕለታዊ ጽሑፋት ኮይኖም ኣብ ሕይወት ወለዲ ክንበቡ ይድሊ ሕጻን።

√ እጃም ኣባ-ልገ
ኣባ ልገ ካብ'ታ ዕለተ ጥምቀት ናይ'ቲ ሕጻን ኣትሒዙ ክሳብ'ቲ ሕጻን እኹል ሰብ ዝኸውን፡ ብሓደራነት ስለዝቕበሎ፡ ብእምነትን መንፈሳዊ ስነ-ምግባርን ተኾስኪሱ ንክዓቢ ብዝከኣሎ ዓቕሚ ክዓዪ ይግበኦ። እዚ ክኸውን እንተኾይኑ ግን እቶም ወለዲ ናይቲ ሕጻን፡ ብቀረባ ክረኽብዎ ዝኽእሉ ኣባልገ ክመርጹ የድሊ፡፡ እቲ ኣባልገ ድማ ብቐረባ ክረኽቦን ዓቕሙ ዝፈቐዱ ክሕግዞን ዘይእል እንተኾይኑ፡ ካብ ንወለዲ ከሖጉስ ክብል፡ መጻኢ ሕይወት ናይ'ቲ ሕጻን ኣብ ሓደጋ ዘአቱ "ኣባልገ ክኸውን ኣይክእልን'የ!" ኢሉ በዓንተቡኡ ክኣቢ ይምረጽ።

√ እጃም ቤተክርስቲያን፡
ንሓደ ካብ ሓንቲ ክርስቲያናዊት ስድራ ዝተወልደ ሕጻን፡ ቤተክርስቲያን'ውን ኣብ'ዚ ናብ'ዛ ዓለም ዝመጸ ሓዱሽ ሕጻን ዘለዋ ሱታፌ፡ ብሚእታዊት ክረአ እንከሎ ኣብ ሰሙን ኣዝየን ሒደት መዓልታት እሞ ድማ ውሑዳት ሰዓታት ኮይነን፡  ማለት ሱታፌኣ 25% ጥራይ ዝሽፍን ብምኻኑ ኣዝዩ ውሑድ እ፡ኳ እንተኾነ፡ ካብ'ቲ ናይ ጥምቀት እትህቦም ኣገልግሎታ ጀሚርካ ክሳብ ፍጻሜ ሕይወቱ ናይቲ ሕጻን ዘይርስዑ ውዕለታ ትገብር'ያ ቤተክርስቲያን። ንዝያዳ ዕቤትን ቅድስናን ናይ'ዚ ሕጻን ዝምልከት ግን፡ ብተወሳኺ ቤተክርስቲያን ዘለዋ መርሓ ግብራት ይውሓዱ ይብዝሑ ብዘየገድስ፡ ንሕጻናት'ውን ከም ኩሉ ክርስቲያን ፍሉይ መደባት ክትሰርዓሎም፡ ንኣታዕባብዮኦም፡ ኣተሓሕዘኦም፡ ምስ ኣምላኾም ዘለዎም ናይ ፈጣርን ፍጡርን ቅርበት ዝያዳ ኣደንፊዓ ክትሰርሓሉ የድሊ። ሕጻናት'ውን ንኹሉ ነገራት ኣገናዚብካ ናይ ምኻድ ዓቕሞም ኣዝዩ ንእሽቶ ስለዝኾነ፡ ኣስተማሲሎም ካብ ኣምላኾም ከይጠፍኡን ተስፋ ከይቆርጹን፡ ከም'ቶም ዓበይቲ ደቂ ቤተክርስቲያን መዝሙርን ዝተፈላለየ መንፈሳዊ ነገራትን ከቕርቡ ከተተባብዕም፡ ፍሉይ ግዜ ክትሰርዓሎም ኣለዋ ቤተክርስቲያን።

√ ናይ ሕብረተሰብ እጃም፡
ሓደ ሕብረተ ሰብ፡ ጽቡቑነትን ዕብየትን ናይ ሓደ ሕጻን ዓቢ ተራ ይጻወት'ዩ። እቲ ሕብረተ-ሰብ፡ ኣዝዩ ነውረኛን ንርኽሰት ዝተቓለዐን እንተኾይኑ፡ ኣብ ውሽጢ'ዚ ሕብረተ-ሰብ'ዚ፡ ዝበቁል ሕጻን ብኡኡ ክጽሎ ዘለዎ ተኽእሎ ኣዝዩ ዓቢ'ዩ።በንጻሩ እቲ ሕብረተ-ሰብ ንኹሉ ሰናይ ነገራት ገስጋሲ ተኣኮይኑ ድማ፡ እቲ ሕጻን ነዚኣቶም እናንበበን እናተመገቦምን ስለዝዓቢ፡ በዞም ጽቡቕ ነገራት'ዚኣቶም ክጽሎ ግድነት'ዩ። ኣብነት ክኾነና፡ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ቅድሚ 90ታት ዝነበረ ሕዝብና እንተርኢናዮ፡ ንሓድሕዱ ዓገብ ዝበሃሃልን ደቂ ጎረባብቱ ከም ደቁ ገይሩ ገኒሑ ዘዕብን ስለዝነበረ፡ ሓደ ሕጻን ኣብ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ሰብ ሕማቕን ኣጸያፍን ነገር ክገብር ኣይክእልን'ዩ። እንተገይሩ ድማ፡ ካብ ከባቢኡ ዓገብታን መግናሕትን ክመጾ ምኻኑ ይፈልጥ ስለዝኾነ ንኹሉ ዝመጾ ቆይቂ ከም ቅቡል ገይሩ ይወስዶ ነይሩ። ስለዚ ይሕመቕ ይጸብቕ ብዘየገድስ፡ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ርእሱ ዝኸኣለ፡ ዓቢ መጽሓፍ ናይ ሓደ ሕጻን'ዩ። እዚ ማለት ከኣ ሕብረ-ተሰብ ሓደ ካብቶም ንውድቀቱን ትንሳኤኡን ናይዚ ሕጻን ዋና ጸለውቲ ዝኾኑ ነገራት ብምኻኑ፡ እወታዊ ኣበርክቶ ኣብ ሕጻናት ክገብር ኣድላዪ'ዩ።


ንኣብነት፡- ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ስደት ንነብር ኣለና፡፡ ንሓድነትናን ጥምረትናን ዝምልከት እካ ኣዝዩ ኣሰካፊ እናኾነ'ዩ ዝኸይድ ዘሎ። እንተኾነ ንሕና "ካብቲ ጽቡቕ'ዩ!" ኢልና ብልብና እንሓስቦ ነገራት ተፈሊና ንነብር ስለዘለና፡ ኣብ ክንዲ ንሓድሕድና ንናኸስን ብዓይኒ ጽልኢ ንጠማመትን፡ ንኹሉ ነገራትና ኣወንዚፍና፡ ከም ቀዳምነት ሕጻናትና ከምቶም ንሕና እንደልዮም ዓይነት ሰባት  ኮይኖም መታን ክዓብዩልና፡ ብሕብረት ስለ እዞም እንወልዶምን እነዕብዮምን ዘለና ሕጻናት ኣመልኪትና ሓባራዊ እጃምና ከነበርክት ኣድላዪ ኢዩ። ከም ሓባራዊ ዘተ፡ ንሕጻናት ዝውክሉ ፍሉያት ኣርእስታት፡ ሽግራት ሕጻናትን ብድሆታቶምን፡ ብዛዕባ ባህሎምን ኣምልኾኦምን. .. ወዘተ ኣመልኪትካ ፍሉይ ግዚያት እንዳመደብካ ሓቢርካ ክስረሓሉ ዝግበኦ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር'ዩ።

√ መንግስትን ኣካዳምያዊ ትምህርትን፡-
ብዙሕ ግዜ ወለዲ፡ "ደቅና ትሕቲ ሰቦም ከይተርፉ" ብዝብል ሰነፍ ኣተሓሳስባ ንደቆም ካብ መንፈሳዊ ነገራት ከም ዝፍለዩ ብምግባር፡ ብዝያዳ ኣብ ኣካዳምያዊ ነገራት ጥራይ ኣተኩሮ ንክገብሩ ኢዮም ዝረኣዩ ወለዲ። መንግስቲ ንኣካዳምያዊ ትምህርቲ ከም ሓደ ዓቢ ነጥበ-መቐይሮ ናይ ምዕባለ ገይሩ ስለዝሓስቦ፡ ናይ'ቲ ሕጻን ድሕረ-ባይታን መንነትን ከየገደሶ ብምሉእ ዓቕሙ ኢዩ ዝዓየሉ። ማለት እቲ ሕጻን ካብ ወዲ 2-3 ዓመት ናይ መዋእለ ሕጻናት ጀሚሩ ክሳብ ዩኒቨርስቲ ወዲኡ ብሓደ ዓውደ ትምህርቲ ዝምረቕ፡ ብዝከኣሎ ከቢድ ዋጋ እንዳኸፈለ ይዓዪ ማለት'ዩ መንግስቲ። ብፍላይ ኣብ'ዚ ምዕራባዊ ዓለም ንሓደ ሕጻን ተባሂሉ ዝስላዕ ባጄትን ክሳብ ትምህርቱ ዝውድእ ዝግበረሉ ኣካዳምያዊ ቀረባትን ኣዝዩ ልዑል'ዩ። ኣብዚ እምበኣር ንሓደ ክርስቲያናዊ ሕጻን፡ ቤት ትምህርቲ ካብ መንፈሳውያን ነገራቱ ንክሃድም ዓበይቲ ተጽዕኖታት ክትኮኖ ባህርያዊ'ዩ። ምኽንያቱ ገለ ገለ እኳ ንዑኡ ዝመስሉ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ክረክቡ ዝኽእሉ እንተኾነ፡ ዳርጋ 90% መምሃራኑን መማህርቱን ግን ኩሎም መንፈሳውያን ኣይኮኑን፡፡ ስለዚ እዚኣቶም መዓልታዊ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወቱ ሕቶታት ክፈጥርሉ ይኽእሉ ኢዮም። በዚ መሰረት ንሕና ክርስቲያን "እዛ ኣካዳምያዊት ቤት ትምህርቲ  መፈሳዊት ነገራት ጥራይ ክግበረላ ኣለዎ፡ ወይ ድማ መንግስቲ መንፈሳዊ ነገራት ከተኣታቱ ነይርዎ!" ኢልና ክንወቅስ ኣየመልክዓልናን'ዩ። ምኽንያቱ እቲ መንግስትን እታ ቤት ትምህርትን ዝሕሾም መሪጾም ኢዮም ዘአንጉዱና ዘለዉ፡ ንሕና ግን ነዚ ዕድላት'ዚ ተጠቒምና ከም ኣደ ሙሴ ኣብ ጽቡቕና ከነውዕሎ ኢዩ ዘድሊ እምበር ብገዛእ ስንፍናና ክንከስሮ ኣይግበኣናን'ዩ። ማለት ኣብ ክንዲ ነቲ ንሕጻናትና ዕለታዊ ዘጋጥሞም ጸገማት ብዓይነ ጥበብ ምምርማር፡ ዕለታዊ መፍቲሕታት ከነናዲ ምጽዓር፡ "ትምህርቲ ከይሓምቁለይ!" ብዝብል ምስምስ፡ እቲ ዘጋጥሞ ተጽዕኖታት ከይኣክል፡ ንባዕልና ኣብ ስጋዊ ነገራት ጥራይ ድፍኢት ንኽገብሩ ንጽዕረሉ ኣጋጣሚታት ኣብ ገለ ወለዲ ትርኢ ኢኻ። ኣደ ሙሴ ከም ኣብነት ተወሲድና፡ ወዳ ኣብ ቤተ ነገስታት፡ ኣብ ቤተ-ፈርዖን ኢዩ ዝዓቢ ነይሩ፡፡ ነገር ግን "ወደይ ትምህርቱ ከይሓምቕ!" ኢላ ከየማሳመሰት፡ ዕለታዊ ብዛዕባ ኣምላኻን ንሳ እትኣምኖ ፈጣርን ትምግቦ ነይራ። ምስ ጎበዘላ ድማ ብስጋውን መንፈሳውን ነገራቱ ኣዝዩ እኹል ሰብ ከም ዝኾነላ ንርኢ።

√ መደምደምታ፥-
ኣብዚ ኩሉ ዝበልናዮ ምንጪ ናይ ቅድስና እግዚኣብሔር፡ ምንጪ ናይ ርኽሰት ድማ ዲያብሎስ'ዩ። እግዚኣብሔር ንኹሎም ደቁ፡ መንገዱ ካብ ምርኣይን በብዘለና ዓቕሚ ቅድስንኡ ካብ ምሕባርን ኣቃሪጹ ኣይፈልጥን'ዩ፡ ብሕጂ'ውን ፈጣሪ ክሳብ ዝኾነ ንዓና ካብ ምሕጋዝ ኣይከቃርጽን'ዩ። እረ ኣብ ገለ ገሌኡ እዋናትሲ፡ ባዕሉ ኣገልገልቱን፡ ተለኣኣኽቱ ንክኾንዎ ገና ከይተወልዱ እንከለዉ ዝመርጾም፡ ብትንቢት መልክዕ ድማ ንወለዶም፣ " ቆልዓ ክትወልዱ ኢኹም'ሞ፡ ንዓይ ክኸውን'ዩ!" ኢሉ ዝገልጸሎም ወለዲ ኣለዉ፡፡ ከም እንበዓል ቴክታን በጥሪቃን፡ ሃናን ኢያቄምን ማለት'ዩ። ንገለ ገለ ሕጻናት ድማ ብፍሉይ ምልክት ተወሊዶም ናቱ ኮይኖም ከምዝዓብዩ ዝገብሮም ኣለዉ፡ ከም እንበዓል ቅዱስ ኖህ፡ ቅዱስ ገበብረ መንፈስ ቅዱስ፡ ኣቡነ ተክለሓይማኖት። እዞም ዝተጠቕሱ ቅዱሳን ኣብቲ ዝተወልድሉ ግዜ ሰብነቶም ብብርሃን ኣንጸባሪቑ፡ ንስሉስ ቅዱስ ኣምልኾን ስግደትን ዝሃቡ ምንባሮም ገድሎም ይነግረና ኢዩ።

+ በንጻሩ ድማ ሰይጣን፡ ናቱ ባሮት ንክገብረና ብዘይ ምስልካይ፡ ነቶም ዓይኒ ናይ ሓደ ሕብረተ-ክርስቲያን ዝኾኑ ሕጻናት ክወስዶም ብዝከኣሎ ይጽዕር። ምኽንያቱ ንሕጻናት ኣብ ትሕቲ ናቱ ምርኮ እንተእቲዎም፡ ካብቲ ሕጻን ዝውለዱ ወለዶ ብዝበዝሐ ሚእታዊቶም ብመቑሑ ከምዝቑረኑ ስለዝፈልጥ'ዩ። ካብዚ ንከንምልጥ ግን ንሕና እቶም ኣብ ሕጻናት ሓላፍነትን እጃምን ዘለና ኣካላት ብልዑል መንፈሳዊ ሓይሊ ክንሰርሓሉ የድሊ።

እግዚኣብሔር ሕጻናትና ናይ በረኸት ሕጻናት ገይርና ንከነዕብዮም፡ መንፈሳዊ ጥበብን ምስትውዓልን ይሃበና!!
ምስጋና ንሥሉስ ቅዱስ!!

ሕቱም-መጽሓፍ

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...