fredag 10. mars 2017

ጋለንስተይቲ ንወድ ተባዕታይ እንተዓሚጻቶኸ እንታይ መቕጻዕታ ይዋሃባ ይኾውን፧"

በስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ፡ኣሜን።
ኣብ ውትህድርናዊ ኣገልግሎት እንከለኹ፡2008 ሓደ እዋን ብዛዕባ ሕጊ ንማሃር ነይርና።እቲ ትምህርቲ ብዛዕባ ንደቀንስትዮ ዝግበር ዓመጽ መቕጻዕቱ እንታይ ምኻኑ ብሰፊሑ ንመሃር ነይርና።ስለዚ ካብቲ ዝተማሃርናዮ መቸም ኣነ ንሕልናይ ትወቕሰኒ ስለዝረኸብኩ ሕቶ ዘለኩም ሕተቱ ምስ ተባሃልና ዝሓተትክዋ ሕቶ፡ሕጂ ኣብዚ ዘለኽዎ ደረጃ መንፈሳውነት ኮይነ ኣማዕድየ ክርእያ እንከለኹ፡ብዛዕባኣ ክጽሕፍ ሕልናይ መርሓኒ።ስለዚ ሽዑኡ ዝሓተትክዋ ሕቶ ከምዚ ትብል፡-" ጽቡቕ ብዛዕባ ወድ ተባዕታይ ንጋለንስተይቲ እንተዓሚጽዋ፡ኣብ ሊዕሊኣ ብሓሊ ብዘይፍታዋ ኣገዲዱ እንተተጋሲስዋሲ፡ ገበን ኮይኑ ክሳብ ክንድዚ መቕጻዕቲ ከምዘለዎ ተማሂርና።በንጻሩ ጋለንስተይቲ ንወድ ተባዕታ እንተዓሚጻቶኸ እንታይ መቕጻዕታ ይዋሃባ ይኾውን፧"ኣስተውዕሉ!ኣይትስሓቑ።
ነዛ ሕቶ ምስ ሓተትኩ፡ኣብቲ ኣኼባ ዝነበረ ህዝቢ ብሙሉኡ ብሰሓቕ ትዋሕ ኢሎም ብጅምላ ሰሓቑ።ጌለኹም ነዛ ሕቶይ ምስ ኣምበብኩም ውን ዝኾነ ዓይነት ስምዒት ከምዝስመዓኩም ርዱእ ኢዩ።ሕጂውን ክሓተኩም ዘፍቅረኩም ወገናተይ ንእግዚኣብሄር ብምምላኽኩም የሕዋተይ፡ንስጉው ቃል ናይ ኢዮሱስ ክርስቶስ ኣድሓንነት ናይ መስቀል ዝተቐበልኩም ደቂ ተዋህዶ የሕዋተይ፡ኣብ ናይ ድንግል ማርያም ኣድነት እትሕቆፉ ኩሉኹም፡ካልኦት ውን ኣብ ዝተፈላለየ ንስኹም እዚ ኢዩ ሓቂ ኢልኩም፡ሓቅነትኩም ብዘየገድስ ግን መሲልኩም ኣብቲ ዝኣመንኩምሉ ተጸጊዕኩም ዘለኹም፡ብሃይማኖትካ የሕዋተይ እንተዘይኮንኩም ብሕገ ተፈጥሮ ግን ፈጣሪኹም ፈጣርየይ ስለዝኾነ፡እስከ እዚ ሕቶ መልሱለይ? ኣንቱ ደቂ ተዋህዶ ፈራዲ ነቲ ትጽበይዎ ዘለኹም ክርስቶስ ዳኛ ገይርኩም፡ደቀንስትዮ ንደቂ ተባዕቶ፡ደቂ ተባዕትዮውን ንደቀንስትዮ፡ኣብ ዝተፋላለየ ሓጥያት ንምፍጻም ዝግበር ዓመጽ፡ብዓይኒ ሰባት ብዝረአ ዘይኮነስ ብዓይኒ እግዚኣብሄርን ብሕልናኹምን፡ንስኹም ኣንቱም ካልኦት ነዚ ጽሑፍ ተንብብዎ ውን በቲ እግዚኣብሄር ካብ ባህርይ መልክዑ ኡፍፍፍ ኢሉ ዝሃበኩም ነፍሲ(ለባዊ፡ዝሓስብ፡ነባቢ ዝዛረብ፡ህያዊ ህያው ዝኾነ ሕልናኹም መስክሩ)።ክንድምንታይ ዓመጽ ይፍጸም ይኾውን ኣብ ነንሕድሕድ ወድሰብ ብፍላይ ኣብዚ ሎሚ፡respect ተባሂሉ ጽላሎቱ ጥራይ ዝረኣየሉ ዘመን። ኣቀዲመ ከምዝነገርክኹም ኣብዚ ሕጂ ዘለኽዎ መንፈሳዊ መንገዲ፡መልስኹም ውን ብመንፈሳዊ መንገዲ ክኾውን ኢየ ዝደሊ።
ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ ኣዝዩ ብትምህርተ ወንጌል ዝጸገበ፡ንቡዙሓት ናብ ንስሓ ንኽኣትዉ ብምልኣት ቃለ ወንጌል ዝመሃረ ኣቦ፡ትርጋሜታት ከይተረፈ ውን ፈትፊቱ ዝምግብ ኣቦ፡ካብቲ ዘጋጠሞ፡ክነግረኩም።ብሓያል ስብከት እንዳሰበኸ እንከሎ፡ሓንቲ ካብተን ብትምህርቱ ዝተተንከፋ ነፍሳት ሓንቲ ሰበይቲ፡ትምህርቱ ስለዝሰሓባ፡ብፍትወት ስጋ ነደደት።እወ"ነዚስ ምሳኻ እምበር ተሕድሮ፡ሰብኣይካ እምበር ትገብሮ፡ነዚ ከይረኸብኩም ከመይ ኢለ ክቐስን ኢላ ንነዊሕ እዋን ብፍትወተ ስጋ ክትሳቐ ድሕሪ ምጽናሕ።ሓደ እዋን ደፊራ፡ደልየካ ኣሎኹ፡ንዓናይ ገዛይ በለቶ።እዚ ቅዱስ ኣቦ፡ስርሑ ወንጌል ስለዝነበረ፡ደኒና ክሳብ ትኸይድ፡ሕልንኣ ክሳብ ትወቅስ ቃል ኣምላኽ ሰቢኹ ገሰጻ።
በዚ ክትዓርፍ ኣይከኣለትን፡ሓደ እዋን ኣብ ሓደ ጸቢብ ቦታ ብብዝሒ ሰብ ዘይርከቦ ጎደና ረኺባ፡እቲ ቦታ ከባቢ ገዝኣ ስለዝነበረ፡ብክዳኑ ሓዛ፡በጃኻ ሎሚ ምሳይ ሕደር ኢላ ትውጥጦ።ንሱ ግን ከምዚ ከማና ብስጋዊ ሓሳብ ዝተመለአ ሰነፍ ዘይኮነስ፡ብፍጹም ቅንኣተ እግዚኣብሄር ዝነደደ ብምምባሩ(ከምቲ ቅዱስ ዳዊት ቅነኣት ቤትካ በልዓኒ መዝ) ዝበሎ፡ናይ ኣምላኽ ሕጊ ብምጥሓሳ ፈጺሙ ገሰጻ።ወዮ ጋል ንተግሳጽ ዕድል ረኺባ ካብ ሲኦል ክተምልጠሉ ዝግባኣ፡ካልእ ብልሓት ኣምጺኣ።" ስማዕ ኤፍሬም፡ኣነ ብዘይ ብኣኻ ፍጹም ኣይኮውንን ኢየ፡ሂዎተይ ክትባላሾ ተደሊኻያ ክትኣብየኒ ኢኻ፡ተዘይኮነ ተሓልየለይ ተኾይንካ ሕራይ በለኒ" ናይ ጥበራ ቃላት እናነዘሐት ንብዓት ሓርገጽ ነበዐት።እምቢ ኢሉ ክኸይድ ፊሑኽ ክብል፡ብክዳኑ ኣጽኒዓ ሒዛ፡ወይ ሕራይ በለኒ፡ወይድማ ንብምልእታ ዓዲ ኡይይይይ ኢለ፡ብሓይሊ ክትዕምጸኒ ከምዝሓሰብካ ክነግራ ኢየሞ፡ኩሉ ሰብ ብትምህርትኻ ተመሲጡ ዝነበረ ክፍንፍነካ ኢዩ።ካብ ቤተ ክርስትያን ክትውገዝ ኢኻ፡ኩሎም ብቃልካ ተለዊጦም ኣብ ንስሓ ዝኣተዉ፡ብሰንክኻ ንድሕሪት ክምለሱ፡ክላእ ስቕ ኢልካ ኢዩ እዚ መንፈሳዊ ሂዎት ኢሎም፡ክንዕቕዎ ኢዮም።ኢላ ኣፈራረሐቶ።
ወይ ጉድ ዘመን ግርምቢጥሲ ማይ ንዓቕብ ኢልኩም መቸም ትምስሉ ትህልዉ፡ኣብ መጽሃፍ ቅዱስ ተማሳስሊ ፍጻሜ ናይ ዮሴፍ ቅዱስ ኣሎ፡(ዘፍ 39፣9---) ተመልከት።ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ ዝተጠቕመሉ ጥበብ ዘገርም ኢዩ።" ሐራይ ከምቲ ዝበልክኒ ክገብር ኢየ።ድላይኪ ክፍጽመልኪ ኢየ፡ የግዳስ ናብ ኣነ ዝደለኽዎ ቦታ ክወስደኪ ፍቓደኛ እንተኾይንኪ ጥራይ ኢዩ" በላ።ደሥሥሥ እናበላ ብሓጎስ ተቐበለቶ።
ወዮ ቅዱስ ኤፍሬም መሪሕዋ ናብ ሓደ ዲቕ ዝበለ ከተማ፡ማእከል ሴንትሩም፡ዕዳጋ ዝሽየጠሉ ቦታ ወሰዳሞ፡ ኣብዚ ቅድሚ ኩሉ ህዝቢ፡ንዒ በሊ ሕጂ ከምቲ ዝበልክኒ ንግበር።ክዳንና ነውጻዮ፡ሃየ ቀልጥፊ ኢሉ ኣዘዛ።"ዋይይይይ እንታይ ኢኻ ትብል ዘለኻ፡ሎሚስ ኣብዚ ቅድሚ ህዝቢ ከተሕፍረኒ፡ከተዋርደኒ ዲኻ ዓጢቕካ" በለቶ።ኣይኮነን፡ንዒ ደኣ ካብ ተሓቢእና ንገብሮስ ህዝቢ እንዳረኣየና ንግበሮ በላ።ሰበይቲ ፍጹም ሕፍረት ተሰመዓሞ፡ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ ከምዚ እንዳበለ ገሰጻ፡ሰብ ድኹም፡ንሰብ ክሳብ ክንድዚ ካብ ተሓፈሮስ፡ንእግዚኣብሄርከ ኣይንሓፍሮንዶ፡ኣብ ቅድሚ ሰብ ንክንድዚ ዝኣኽል ርኽሰት ንኽንሰርሕ ሕልናና ምግባር ካብ ኣበየናስ፡ኣብ ቅድሚቲ ናይ ሕልና ፈጣሪ፡ንሰብ ከይተረፈ ዝፈጠረን፡ንሰብውን ዝፈርድን ኣምላኽ ደኣ ከመይ ኣቢሉ ደፊርና ነዚ ክፉእ ተግባር ክንገብር ደፈርና።ስምዕኒስከ ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝግበር ሓፊርክሉ፡ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዝግበር ግን ድፍረት ረኺብኪ፡ለካ ካብ ንእግዚኣብሄርሲ፡ንሰብ ኢኺ እተኽብሪ፡ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግበኦ ሰማያዊ ንጉስ እንዳሃለወ፡ሰብ ንፍጥረት ከምልኽ ጀሚሩ-----"እናበለ ገሰጻሞ፡፡ ኣንታ ብውሽጢኻ ዘይናትካ እትምነ እግዚኣብሄር ንሕልናኻ ይዕዘቦ ኣሎማ፡ዓማጺ ተባሂልካ ኣሎኻ፡ኣንቲ ዘይተዋህበኪ እትምነዪ ብሕልናኺ ጥራይ ምስክንደይ ሰባት ዝዘርኪ፡እግዚኣብሄር ንሕልናኺ ተመልኪትዎ ኢዩሞ፡ዓማጺት ኮይንኪ ረኺብኪ።
እዛ ጋል ኣብ ብርኩ ንኽንኽ ኢላ ካብ ውሽጣ በኸየት።ንእግዚኣብሄር ፈጺማ ከምዝደፈረቶ፡ኣብ ቅድሚኡ ዕልዋ መንግስቲ ገይራ ንሰባት ብዝሃበቶም ክብሪ ንመግስቲ እግዚኣብሄር ከምዝገምጠለት ስለዝተረድኣ፡ካብ ማዓሙቕ ልባ ብጣዕሳ በኸየት።ርድኣኒ፡ርድኣኒ፡ርድኣኒ እግዚኣብሄር ከይወሰደኒ ከሎ ንስሓ ክኣቱ ሓግዘኒ ኢላውን ወጨጨትሞ፡ናብ ሓደ ኣቦ ወሲዱ ኣራኺቡ፡ንስሓ ኣትያ ክሳብ ኣብ ምናነ ከምዝበጸሐት እሞ፡ድሮካ ናይታ ገዳም ኣማሓዳሪት ናይ ምኻን ጸጋ ድማ ተዋህባ።ዘገርም ፍጻመ።እግዚኣብሄር ኣብ ሓድሕዳዊ ርኽሰት ንዘሎ ሕልና መዝሒቑ፡ብቅዱስ ወንጌሉ ናብ ዝምራሕ፡ብፍቓዱ ዝግዛእ ሕልና ይዓድለና።
ናብ መበገሲ ኣርእስተይ ክምለስ፧እስከ ሎሚ መን ኢዩ፡ዓማጺ።ኣብዚ ዓለምዚ ወዮደኣ ሕቡእ ኮይኑእምበር ዓመጽ ኣየቃረጸን።ደቀንስትዮና ደቀተባዕትዮና፡ኣመንቲ እግዚኣብሄር ዘይኣመንቲ ኩሉና ዳርጋ ሎሚ ብግብሪካ ዘይዕምጽ እንተሃለወ፡ብሕልናስ ዳርጋ ኩሉና ዓመጽቲ ኮይንና።እቲ ዓመጽ ዓይነቱ ይፈላለ ይኮውን፡ገሌና ንዘይሰበይትና ንምነ፡ጌሌና ንዘይበጽሓናዮ መዓርግ ካብ ጵጵስና ጀሚርና ክሳብ ዝተሓተ ዘሎ፡ክስቶስ ከምዚ ኢዩ፡ከምዚ ክኾውን ነይርዎ፡ኣነ ተዝኾውን ከመይ ምኽኣልክዎ፡ክላእ በዓልዚ ድዮም ድያቆናት፡በዓልዚኣ ድየን ዘመርቲ! ካብ እዚኦም ዘለዉዎ ቤቴ ክርስትያን ዝኸይድ ዘይምኻድ ይሕሸኒ፡ብምባል ነቲ እግዚኣብሄር ኣገልገልቱ ንኽኾኑ ዝጸወዖም ሰባት ንሕና ግን ዓሚጽና፡እግዚኣብሄር ተጋጊኻ፡ብምባል ብቀጥታ ዓመጽና ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ዝገበርና ክንደይ ንኾውን።በንጻሩውን ዘይጽባቐና ከነቃምት ኣቤት እዛ ጋል፡ኣቤት እዚ ወዲ ክንበሃሃል፡ብግብሪ ድኣ ኣይንወዓሎ ኣምበር ብሕልናናሲ ድሮ ዓሚጽናስ ፍርዲ እግዚኣብሄር ኮፍ ኢላ ትጽበየና ኣላ።(መጽሓፍ ቅዱስ ሃቤሁ ሀሎ ኩሉ መዝገበ ጥበብ፡ወምክር ህቡእ።ትርጉሙ ብዘሎ መዝገብ ጥበብ ኣብኡ ኣብ ክርስቶስ ተሰዊሩ ኣሎ ይብል። ቆላ2፥3) ገሌናውን ሃይማኖት ከምዚ ኢዩ፡ክኾውን ዘለዎ ኢልና ልጋም ከምዘይብላ ፈረስ ንስጋና መታን ክጥዕመና፡ከምድላይካ ንበር፡ብምርጫኻ ኣብ ደሥሥሥ ዝበለካ ሓሳብ ተሳማማዕ ሰብ ጥራይ ኣይትበድል ዝብል መሪሕ ሓሳብ ብምርዓምና፡ንሕልናና ዓሚጽና ኣንጻር ሕልናና ዝዓጠቕናውን ክንደይ ንኾውን? መቸም ሰብ ኣምልኽኡ ደኣ ይፈላለ ኣምበር ካብ ኣምልኾ ዓዲ ዝወዓለ ሰብ ፍጹም የለን።ግን ገሊኡ ኣብ ገንዘብ የምልክ፡ገሊኡ ኣብ ፖሎቲማ የምልኽ፡ገሊኡ ኣብ ሳይንስ፡ገሊኡ ኣብ ሰብ ዝሰረቶ ፈጺሙ ዘይሓቂ፡መቸም ካብ ኣምልኾ፡ካብ ኣርቕዑተ ኣምልኾ ሓራ ዝኮነ ሰብ የለን።ወዮ ደኣ ዘስተውዕል ተሳኢኑ እምበር ኩሎም እቶም ዝምለኹ፡ዝድነቖሎምሲ ሕልናና ነጺጎጉ ናብ እግዚኣብሄር ንኽንምራሕ ዝናገሩ ልሳን ኢዮም።እዚ ኣብዚኦም ተጸጊዑ ዘሎ ሕልና ኣብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ጥራይ ዘይኮነስ ዋላ ኣብ ገዛ ሰብነቱ ዝዓመጸ ሕልና ኢዩ።
ዋይ ሕልናይ ንክንደይ ደቀንስትዮ ኮን መንጢልኪ ብዘይፍቓድ እግዚኣብሄርን ብዘይፍቓደንተን ደቀንስትዮን መንጢልኪ ወሲድክየን ትኾኒ።ንክንደይ ነገስታት ኮን ትኾኒ እግዚኣብሄር ዘይሃበኪ ዙፋን ብምቕማጥ ነቶም ነገስታት ዘሪፍክዮም ትኾኒ፡ (ምሳሌ 8፥15-16 ተመለክቲ በሊ) ንክንደይ ደቂ ቤተክርስትያን ኮን ዝገበርዎን ዘይገበርዎን ብዘየገድስ፡ዳኛን ኣሳሪትን ኮይንኪ ኣብ ቤቱ እናሀለኺ ግን ንእግዚኣብሄር ቦትኡ ተኪእኪ፡ንስኻ እቶ ንስኻስባ ውጻእ ብምባል ዓመጻ ፈጺምኪ ትኾኒ? ኣየ ሕልናይ፡ነቶም ዝምቡዕ እምነት፡ኣብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ዕልዋ ዘምጽኡስኮ፡ብውሽጢኺ ዘይኮነስ ተናጋሪት ልሳን ኣላትኪ፡ተኻኣልኪ በቲ ውሕሉል ቃለ ፈጣሪኺ ገይርኪ ክትመልስዮም ምተገበአ።ተዘይኮነ ግን እግዚኣብሄር ንወላሓደ ሰብ ክትጸልኢ ኣይፈቐደልክን።በንጻሩካ ደኣ ኣብ ክንዲቶም፡ዘሳድዱኺ ክትጽልዪ፡ኣብ ክንዲቶም ክፉእ ዝፈደዩኺ፡ንኣምላኽኪ ምሕረት ክትልምንሎም ተኣዚዝኪ።ኣይከኣልክዮን በንጻሩ ኮይኑ ዕዮኺ ነብሰይ።
ወገናተይ ዘለናዮ ዘመን ስጋና ዕረፍቲ ዝስመዓና ሕልናና ግን ፈጺሙ ዝርበሸሉ፡ብዝገበርናዮ ንዓግበሉ ዮሴፋዊ፡ኤፍሬማዊ ሕልና ዘይኮነስ፡ሰንከፍ ዝረገጽና ክሳብ ግብረሶዶም ይንገስ ዝበሃለሉ ዘመን፡ሓጥያት ሕጋዊ ይኹን ተባሂሉ ነጋሪት ዝተኣወጀሉ ዘመን በጺሕና።ኣብዚ ዝሓምበሰ ሕልና ዋላ፡ኣይፈጽም፡ደኣምበር ብሕልና ካብ ምዕማጽ ዝድሕኑ ውሕዳት ኢዮም።ወንጌል ጽዉዓት ብዙሓት ኢዮም ሕሩያት፡ዝድሕኑ ግን ከም ስድራ ኖህ ውሕዳት ኢዮም ከምዝበለና፡እግዚኣብሄር ምስቶም ኣብ መርከብ ኖህ ጸምባሃለል ኢሎም፡ካብ ምጥሓል ማይ ኣይሂ ዝደሓኑ ክገብርና ብንስሓ ክንቀርቦ፡ንሱድማ ክሓጽበና ሰናይ ፍቅዱ ይኹን።
ይትባረክ እግዚኣብሄር ኣምላክ ኣበዊነ፡ኪያነ ዘፈጠረ ከመናምልኮ።ኣሜን ተኽለማርያም ኢልኩም ብጸሎኩም ሕሰቡኒ ንድኹም ሓውኩም፡የሕዋተይ ደቂ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...