søndag 25. februar 2018

ምኲራብ- 3ይ ሰንበት ናይ ጾም ኣርብዓ

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን። እዛ ሰንበት እዚኣ ቅዱስ ኣቦና ያሬድ ማህሌታይ ኣብቲ ዱጋ ዝብሃል መጽሓፉ፣ በቲ ካብ ሰማያዊ ስርዓት ዝተዋህቦ መንፈሳዊ ጸጋ፣ምኲራብ ኢሉ ሰየማ።ምኲራብ ማለት፣ቤተ ጸሎት፣ቤተ ተግሳጽ፣ መንፈሳዊ ኣስተምህሮ ዝወሃበሉ ቤት ማለት ኮይኑ፣እስራኤላውያን ኣብ ምርኮ ባቢሎን እንከለዉ ዘተኣታተዉዎ ስፍራ ኢዩ።እዚ ምኲራብ'ዚ መንፈሳዊ ጉባኤታቶም ንምክያድ፣ንኣሽቱ ደቆም ትምህርቲ ሃይማኖት ንምስትምሃር፣ብኻልእ መንጽር ድማ ቤተ መቅደስ ኣብ ኢየሩሳሌም ጥራይ ስለዝነበረት፣ንሳውን ሓንቲ ብሓንቲኣ ዓንያን ፈሪሳን ስለዝነበረት፣ኣብ ምርኮ ኮይኖም መንፈሳውነቶም ዘከናውንሉ ስፍራ ዝሰረትዎ ኢዩ።እዚ ከኣ ብፍታው እግዚኣብሔር ኢዩ።ምኲራብ ከምታ ናይ ኢየሩሳሌም ቤተ መቅደስ፣ መስዋእቲ ናይ ኦሪት ዝፍጽምሉ ስፍራ ኣይኮነን፣ከምዚ ናይ ሓድስ ኪዳን ድማ ስጋ ወልደ እግዚኣብሔር ዝፍተተሉ ኣይኮነን፣እንታይ ደኣ ምስቲ ዝነበሮም ተሪር መግዛእቲ ካብ ኣምላኾም መታን ጨሪሶም ከይባተኹ፣ብኸፊሉ ተኣኪቦም ኣምልኾኦም ዝፍጽምሉ ስፍራ ኢዩ ።ብዛዕባዚ ድማ ብቅድሙ ትንቢት ነበረ። << ኣነ እግዚኣብሔር ከኣ ተጻረርክዎም፣ናብ ምድሪ ጸላእቶም ሰደድክዎም።ሽዑ እቲ ዘይግዙር ልቦም እንተ ኣትሓቱ፣ቅጽዓት ሓጢኣቶም እውን እንተ ተቐበሉ፣እነ እግዚኣብሔር ድማ እቲ ምስ ያዕቆብን ምስ ይስሐቅን ምስ ኣብርሃምን ዝኣቶኽዎ ኪዳነይ እዝክር፣ነታ ሃገር እውን እዝክራ።ነታ ሃገር ኪሓድግዋ ኢዮም እሞ፣ንሳቶም ከየለዉ ዓንያ ከላ ብዕረፍታ ባህ ይብላ፣ንሳቶም ከኣ ትእዛዛተይ ስለዘቃለሉን፣ ሕግጋተይ ስለዝፈንፈኑን፣ቅጽዓት ሓጢኣቶም ኪቕበሉ ኢዮም።እዚ ክነሱ እካ ኣብ ምድሪ ጸላእቶም ከለዉ፣ፈጺመ ከጥፍኦም ኢለ ኣይድርብዮምን ኢየ፣ኣይፍንፍኖምን ድማ ኢየ።ኣነ እግዚኣብሔር ኣምላኾም ኢየ እሞ ነቲ ምስኣቶም ዝኣቶኽዎ ኪዳን ኣየፍርሶን ኢየ።ኣምላኾም ምእንቲ ክኸውን ኢለ፣ ነቲ ካብ ግብጺ ኣብ ቅድሚ ህዝብታት ከውጽኦም ከለኹ ምስ ኣቦታቶም ዝኣቶኽዎ ኪዳን ክዝክር ኢየ። ኣነ እግዚኣብሔር ኢየ።>> (ዘሌ26፣41-45) ንዝብል ትንቢት፣እስራኤላውያን ብሰንኪ በደሎም ንዝወረዶም ቅጽዓት፣ኣብ ምርኮ ባቢሎን ኮይኖም፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እቲ ዝቕመጥሉ ዝነበሩ ኣከባቢ ምኲራባት ገበሩ። ካብኡ ቀጺሉ ድማ ናብ እስራኤል ምስተመልሱ፣ብብዝሒ ምኲራባት ከፊቶም ንደቆም የስተምህርሉ ነበሩ።ቅዱስ ያሬድ፣ነዛ 3ይቲ ሰንበትዚኣ <ምኲራብ> ዝበለሉ ምኽንያት ግን፣ቅዱስ ኣምላኽና ኣብ ዘመነ ስጋውነቱ፣ኣብ ምኲራባት ከከይዱ ብምምሃሩ፣ሕሙማት ብምፍዋሱ፣ንዝተጋገዩ ብምግሳጹ፣ንቅኑዓት መንገዶምን እምነቶምን ምንኣዱ፣ንምዝካርን ንምስትንታንን ኢዩ።ነዚ ኢዩ፣
"ሰላም ለመከየድከ አሐዱ አሐዱ ውስተ ቤተ መቅደስ ለምህሮ እለ ገይሰ ለመዱ።" " ሓደ ሓደ ተባሂለን ንምስትምሃር ናብ ቤተ መቕደስ ምግስጋስ ዝለመዳ ኣእጋርካ ሰላምታ ይግባእ" ተባሂሉ ኣብ መልክዐ ኢየሱስ ዝተጻሕፈ።<< ማቴ4፣23 ኢየሱስ ድማ ኣብ ኩላ ገሊላ፣ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ እናመሃረ፣ብስራት መንግስቲ እግዚኣብሔር እናሰበኸ፣ኣብ ሕዝቢ ዘሎ ዓይነት ሕማም እናኣሕወየ ይዘውር ነበረ>> ይብለና። ቅድሙ ኣብ መላእ ዓለም መስዋእት ሕሩድ ዝግበረላ ሓንቲ ቤት መቕደስ ጥራይ ኢያ ነይራ፣ እዚ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ኢያ፣፣ንሳ እታ ቅዱስ ሰሎሞን ዝሃነጻ፣ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን ድማ እዝራን፣ነሄምያን ካልኦት ቅዱሳንን ዝሃነጽዋ ቤት መቕደስ ኢያ።ሕጂ ግን ኣብ እስራኤል ብዙሓት ንኣሽቱ ምኲራባት ነበራሞ ኣብዚኣተን ከከይዱ ዕላማ ምምጽኡ የበስረን ነበረ።
ብካልእ መንጽርውን ነዛ ምኲራብ ክንዝክር እንከለና፣ኣማናዊት ምኲራብ ብዛዕባ ቤተክርስትያን ስለዝኾነት፣ምኲራብ ጽላሎት ኮይና ናብ ሓዱሽ ኪዳን ተቐልቀለት።ከምቲ ብዙሓት ምኲራባት ዝነበራ፣ቤተክርስትያን ድማ ኣብ መላእ ዓለም ክርስትያን ኣብዘለውሉ ብስም ክርስቶስ ኣብ ዝተኣከብሉ፣ከምቲ ነቦና ቅዱስ ሙሴ ዝኣዘዞ፣ቅዱስ ታቦት ቀሪጻ ንደቃ ፍጹም ኣምልኾ ከምዝፍጽሙ ትገብሮም ቤተክርስትያን።ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ፣ከምቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን፣<< ንኣኻትኩም ኣብ ጽዮን ፣ኣብቲ ቅዱስ እምባይ ከምጽኣኩም ኢየ፣ዝሓርር መስዋእታትኩምን መስዋእትታት ሕሩድኩምን ኣብ መሰውዕየይ ቅቡል ክኸውን ኢዩ፣ከመይ ቤተይሲ ንኹሎም ኣሕዛብ ቤት ጸሎት ተባሂሉ ክስመ ኢዩ።ኢሳ 56፣7>> ተባሂሉ ዝነበረ፣ኩሎም ኣህዛብ ወይውን ዘይኣመንቲ፣ ድማ ኣቐዲሞም ቤት ጸሎት ይኩን ቤተ መስዋዕቲ ስለዘይነበሮም፣እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንኹላቶም ደቁ ኣኻኺቡ ፍቕሩ ዝምጥወሉ ዘመን ከምዝኣኸለ፣እዚ ድማ ኣብ ሓንቲ ውስንቲ ስፍራ ኣብ ኢየሩሳሌም ጥራይ ዘይኮነስ፣ኣብ ምሉእ ዓለም ቤተክርስትያን ክትስፋሕፋሕ ምኻና ከረድኣ እንከሎ፣<< ኣቲ ሰበይቲ ኣምላኽ መንፈስ ኢዩ፣እቶም ዝሰግድሉ ከኣ ብመንፈስን ብሓቅን ክሰግድሉ ይግባእ።ዮሐ 4፣24>> ኢሉ ንህላውነት ቤተክርስትያን ኣብ መላእ ዓለም ምኻኑ ኣበሰራ።ኣምላኽ መንፈስ ኢዩ፣ዝበለ ኣብ ኩሉ ኢዩ ዝርከብ እምበር፣ኣብ ኢየሩሳሌም ወይ ኣብ ጎቦታት ሰማርያ ጥራይ ኣይኮነን፣ኣብ ኩሉ ዝርከብ ተኾይኑ ከኣ ኣማናዊት ቤተ ምኲራብ ኣብ ኩሉ ዓለም ብሓቅን ብመንፈስን ዝስገደላ ቤተክርስትያን ክትስረት ምኻና ገለጸላ።
ሰለዚ እዛ ሰሙን እዚኣ ብዛዕባቲ ኣብ ቤተ ምኲራብ ዝተዋህበ ኣስተምህሮ ምስ ሂወትና ነስተንትነሉ፣ብዛዕባዛ ሕጂ ዘላ ኣማናዊት ምኲራት ፣ስግኡን ደሙን ዝፍተተላ፣ኣማናዊ ኣምልኾ ዝፍጸመላ ቤተክርስትያን ድማ መዓልታዊ መመጺና በረኸት ከተውህብን ካብ ሓጢኣት ዓለም እትኣልን ምኻና ፈሊጥና የእጋርና ናብዚኣ ክነገስግሰንን ኣብ ኣምልኾና ክንጸንዕን እተተሓሳስበና ሰሙን ኢያ ሰሙነ ምኲራብ።ብተወሳኺውን ከምቲ እስራኤላውያን ኣብ መከረኦምን ስደቶምን ምኲራባት ሃኒጾም ንደቆምን መንፈሳዊ ኣስተምህሮ ዝህቡ ዝነበሩ፣ንሕናውን ኣብ ዝሃለናዮ ንሃሉ፣ኣብ ዝኸድናዮ ንኺድ ብዘየገድስ፣ቤተክርስትያን ናይ ድሕነት መሰረት ስለዝኾነትን ብዘይ ቤተክርስትያን ድማ ኣምልኾ ፍጽምና ስለዘየብሉ፣ቤተክርስትያን መንፈሳዊ ኤምባሲ ምኻና ተረዲእና፣ቤቱ ሃኒጽና ንደቅናን ደቂ ደቅናን ኣምልኾ እግዚኣብሔር ክነስንቖም ምኻንና እተተሓሳስበና ሰሙን ኢያ።እዚኣብሔር ኣምላኽ ኣብ ቤቱ ክሃንጸና፣ንሕና ድማ ስለቤቱ ክንሓስብን ቅንኣት ክሓድረናን ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን። ምስጋና ንኣብ ምስጋና ንወልድ ምስጋና ንመንፈስ ቅዱስ ኣሜን።

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...