torsdag 30. mars 2017

ኣዘንትዉልናሞ ከነዘንትወልኩም!

በስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።
ኣዘንትዉልናሞ ከነዘንትወልኩም!
ብዛዕባ ጽባቐ ወርሒ ብሳትላይት ኬይድኩም ዝፈለጥኩሞ ንገሩናሞ፡ንሕና ከኣ ብዛዕባ ፈጣሪኣ ክንነግረኩም! ብዛዕባ ናይ ጸሓይ ሓያልነት ንገሩናሞ፡ንሓና ድማ ብዛዕባ ኣማናዊ ጽሓየ ጽድቅ ፈጣሪ ጽሓይ ክንነግረኩም፡ብዛዕባ ስፍሓት ኣድማስ(UNVERSE) ዝበጻሕኩሞ ምዕባለ ንግሆ ንግሆ ብዜና መልክዕ ጌይርኩም ንገሩናሞ፡ንሕና ድማ ብዛዕቢቲ ልዕሊ ኣእምሮ ዝኾነ ስሉስ ቅዱስ ናይ ኣድማስ ፈጣሪ ክንነግረኩም።
ኣንቱም ተማራመርቲዶ ክንብለኩም ወይሲ ጽዓዱ!
ኣይ ምኹና ሎሚ ግዳ ኩሉ እንድዪ ኣፍ ኣውጺኡ ተማራማሪ ኮይኑ፡ ክነግረካ ዝብል እምበር ንገረኒ ዝብል ተሳኢኑ፡እመነኒ ዝብል እምበር ብዛዕባ ኣምላኽ ኣእምነኒ ዝብል ተሳኢኒ።ስምዑ ግዳ፡- እዚ ኩሉ ብዛዕባ እቲ ብዝተፈላለየ ሳትላይታት ብዝረኸብኩሞ ሓበሬታ፡ንምንጋር ትቀላጠፉ ኣሎኹም እሞ፡ብዛዕባቲ ነቲ ዝረኸብኪሞ ሓቤሬታታት ዝፈጠረ ልዑል ህልውና ፍጣሪ ክንነግረኪም ከኣ ጽን ኢልኩም ስሙዑና።
ህልውና ንፋስ እንዳኣመንኩምሲ፡ከመይ ኢልኩም ህልውና ፈጣሪ ናይ ንፋስ ምርዳእ ኣበየኩም?
ሓደ ዓይነስዉር ሰብ ብርሃን ከምዘሎ ይኣምን ኢዩ፡ሓንቲ መዓልቲ ግን ብርሃን ርእዩ ኣይፈልጥን፡ነዚ ዓይነስዉዚ ሓደ ግዜ ብሕልናይ ኮይነ ሓቲተዮ?" ነዞም ፈጣሪ የለን ዝብሉ እንታይ ኢልካ መረዳእካዮም "በልክዎ፥ ንሱ ውን ብሕልና መለሰለይ።ኣነውን ብሕልና ኮይነ መልሱ ሰማዕኩ።"ፈጣሪ የለን ክብሉ እንከለዉሲ፡ኣነ ዓይነስዉር ኮይነ ዘለኹሉ ዘመን ኩሎም ነገራት ህልውነኦም ክኽሕድ እንተዝብሎም፡ዝሕዝዎን ዝጭብጥዎን ምጠፈኦም።ምኽንያቱ ንሳቶም ዘምልኽዎ ኣብ ዝርአን ዝጭበጥን እምበር ኣብ ረቒቕ ልዕሊ ኣእምሮ ዝኾነ ኣምላኽ ከምልኹ ብቕዓቶም ውን ላሕሊሑ ኢዪ።ስለዚ ኣነ ዓይነስዉር ኮይነ፡ ፍጥረት ዝበሃል የለን፡ብዜካ ኣነ ንነብሰይ ምሳይ ስለዘላ እምበር ካልእ ፍጥረት የለን፡እንተዝብሎም፡"ካልእሲ ይትረፍ ብዛዕባ ህልውናና ክትኣምን ኣሎካ" ኢሎም ናይ ገዛእ ርእሶም ህልውና ተቐርቆርቲ ምኾኑ" ኢሉ እዚ ዓይነስዉር መለሰለይ።
ዘመንና ተማህሮ ዝውሕድሉ፡ዕልቕልቕ ናይ መምሃራን ግን ልዕሊ መጠን ኣብ ዓለም ዝዝርገሓሉ ግዜ ኢዩ።ዝገርም ግን መብዛሕትኦም እቶም መምሃራን ብዛዕባ ርእሶም እምበር ብዛዕባ ፈጣሪኦም ኣይምህሩን።
እግዚኣብሄር ሆይ ኣነ ደካማ ባርያኻ፡ስምካ ክጽውዕ ዘይበቅዕ ሓጥእ ኢየሞ፡ብዝገበርክዎ በደል፡ዝፈልጦን ዘይፈልጦን ንስኻ ንኹሉ ትፈልጦ ኢኻሞ፡ብዝሓለፈ መሓረኒ፡ብዝመጽእ ብወላዲትካ ደጊፈኒ፡ንኹሎም ፍጥረትካ ብፍላይ ነቶም ዝተበጀኻና ደቅኻ ምሕረትካ ኣፍሥሰልና።ክብርን ምስጋናን ዕቤትን ግርማን ውዳሴን ኣምልኾን ብሓደ ኣምላኽ ብዝኾነ ንኣብምን ንወልድን ንመንፈስ ቅዱስን ሎምን ኩሉሳዕን ኣሜን።
በረኸታ ረዲኤታ ናይ ወላዲተ ኣምላኽ ኣይፈለየና ኣሜን።
ብዛዕባ ህልውና እግዚኣብሄር ዝወሃብ ትምህርቲ

ሼመታ ሓሲሩስ ዓጸቦ ግን ኣስፋሕፊሑ!

በስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን
ሼመታ ሓሲሩስ ዓጸቦ ግን ኣስፋሕፊሑ!
ከብዲ ክትጠሚ እንከላ ኣብ ቅድሚኣ ዝረኣያ ብልዖት ኢዩ፡ክትበልዕ እንተኾይና ግን ሸውሃት ክኽፈት ኣሎዎ።ቅድሚ ሸውሃት ምኽፋቱ ድማ ውሓለ ሰራሒ መግቢ፡ጥበብ ዝተመለኦ ኢድ የድሊ፡መቸም ኣብ ዓድና ምስ በልዓኻ ምስ ጸገብካ እንታይ ኢዩ ዝብሃል"ጡዑም ጡዑም!" እቲ ኣእንጋዲ በዓል ውራይ ብፍላይ ብዓል ሓዳር እንተኾይኑሞ፡ክልቲኦም ብሓደ እንተጸኒሒም፡ብሓደ ድምጺ"ጡዕም ይሃብካ!" ኢሎም ይምልሱ።እዚ መልሲዚውን ነቲ ተመጊቡ ዝጸገበ ተመጋቢ ካልኣይ መግቢ ኮይኑ ኣብርሲ እቲ ዝበልዖ ካልእ ብልዖት ይኾኖ።ነዚ ዝቕበል ስምዒት ውን ሸውሃት የድሊ፡ኩሉ ብሸውሃት ኢዩ ዝኾውን፡ሸውሃት እንተትዓጽዩ፡ተንዲኖ መጽኡ ክፍንቅሎ ኣይከኣልን።
ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ኣብ ዓለም ዓቢ ዓጸቦ ኣትዩ ኣሎ፡እቲ ዘገርም መግቢ ስለዝኸበረ፡መግዚኢ ገንዘብ ስለዝተሳእነ ኣይኮነን፡እቲ መግቢ ሕሱር ኢዩ፡እረ ምንም ትኸፍሎ ዋጋስ ምስቲ ትምገቦ መግብን፡ምስቲ ጣዕምኡን ኣወዳዲርካ፡ትኽፍሎ ዋጋ ዳርጋ የለን ኢዩ ዝብሀል።ቅዱስ ዳዊት" ጼኣ ወባህበሄ ኣዕጽምትየ፡እምገጸ ኣበድየ፡(መዝ37፥5)ትርጉም ካብ ሓጥያተይ ዝተላዕለ ኣዕጽምተይ ይሞግል ኣሎ ይብል።ምግሊ ሓደ ካብቶም ንሸውሃት ዝዓጽዉ፡ዓበይቲ መዓጹ ኢዩ።ምግሊ እተሪኢኻ፡ምሉእ ሕልናኻ ረሸሽ ኢዩ ዝብለካ፡ይዋእ ኣብዚ ዘመን ዘለና ደቂ ኣዳም፡እቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ምግሊ ነቲ ካብ እግዚኣብሄር ከም ካብ ጭሔሎ ዝፈሥስ ምሕረቱ ንኸይንምገብ ንመንፈሳዊ ሸውሃትና ዓጽይዎ ይርከብ።እኽሊ ክሓስር ይኽእል ኢዩ፡ስርናይ ክሓስር ይኽእል'ዩ፡ስገም ክሓስር ይኽእል ኢዩ፡ገንዘብውን ክሓስር ይኽእል ኢዩ፡እረ ሎምስ ብዙሕ ጻዕሪ ከይገበርካ ብድቅስካ ገንዘብካ እንዳተዋህብካ ዝንበሮ ዘሎ ናብራ ስለዝኾነ ኣብነት መረዳእታ ዘድልይክ ኣይኮነን፡ኣዚ ብቐሊሉ ዝርብ ክኾውን ይኽእል ኢዩ።እቲ ዝሓሰረ፡እረ ብቀሊሉ ዝርከብ፡ብጣምነቱን፡ፈዋስነቱ ምንም መወዳድርቲ ዘይብሉ ግን ምሕረት እግዚኣብሄር ኢዩ።
እግዚኣብሄር ፡ነፍሲ ወድ ሰብ መታን ክትምገብ ኢሉ፡ምሕረቱ የፍስስ፡ነፍሲ ወድሰብ ግን እቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ ሓጥያታዊ ምግሊ ንሸውሃታ ስለዝኽልክሎ፡ነቲ መግቦተ ምሕረተ እግዚኣብሄር ንኸይትምገብ ምኽንታት ይኾና።ብዘይ ውረድ ደይብ፡ምሕረቱ ምሉእ እንዳሃለወ፡ሓጥያታዊ ምጉልና ግን ነዚ ምሕረትዚ ንኸይንምገብ ሸውሃትና ዓጽይዎ።ምሕረቱ ምሉእ ብምሉእ ይፈስስ ኢዩ፡ዝምገብዎ ግን ውሕዳት ኢዩ።ናይዞም ምሕረት እግዚኣብሄር ዝምገቡ ሰባት"ጥዑም ጥዑም" ዝብል ድምጺ ካብ ገጾም ይንበብ።ኣፎም እካ እንተዘይተዛረበ፡ኣካይደኦም፡መንፈሳውነቶም ግን መጋልሕ ድምጺ ገይሩ ይጭርሕ።"ጥዑም ይሃብህካ" ዝብል ድምጺ ድማ ካብቲ ናይ ባህሪ ወሃቢ ምሕረት እግዚኣብሄር ዘይኮነስ፡ካብቶም ክኣስሩን ክፈትሑን ካብ ሞሎኮታዊ ባህሪኡ ስልጣናዊ ጸጋ ዝመቐሎም ካህናት ይስማዕ፡ንሳቶም ቅዳሴ ኣቐዲሶም ነቲ ኣማናዊ ምሕረት ዝኾነ ብልዒ ነፍሲ፡ንስጋን ንነፍስን ከኣ ዝፍውስ ቅዱስ ስጋ ወደሙ ይህቡና።እዘን ነዚ ዝሰርሓ ዘለዋ ናይ ካህናት የእዳው፡ኣፎም እካ "ጥዑም ይሃብኩም" ክብል እንተዘይተሰምዓ፡የእዳዎም ግን ከሳልማና እንከለዋ፡ነቲ መሎኮት ተንኪፈን ስለዝጸንሓ ናይ እንካዕ ደስ በለኩም፡ስግኡን ደሙን ተመጊብኩም እንካዕ ብመግቦቱ ዓገብኩም" ዝብል ብስራት ሒዘን ካብ ውሻጠ ቅድስተ ቅዱሳን፡መንጦላዕተ ብርሃን ወጽየን ናብ ኩሉና ክዘራ ብየዒንትና ንርእየን።
ኦ ህዝቢ እግዚኣብሄር ምሕረት ኣምላኽ ብገንዘብ እንተትግዛእ መን ምገዝኣ፡ምሕረት ኣምላኽ ተሰዲድካ እንተትርከብ መን ምረኸባ? ምሕረት ኣምላኽ ተማሂርካ ተማራሚርካ እንተትብጻሕ መን ምበጽሓ፧እግዚኣብሄር ግን ነቲ ካብ ኩሉሉሉ ዝኸበረ ነገር፡ካብ ኩሉ ዝሓሰረ ገይሩ ብቐሊሉ ከም ዝርከብ ገ ገበሮ።ምላልባሽ ሓደ ሰብ ንስሓ ስለዝኣተወ፡ጾም ጸሎት፡ስግዳን፡ምጽዋት ወዘተ ነዚኦም ስለዝገበረ፡"ኣነሞ ከፊለ እንድየ፡እቲ ዝኸፈልክዎ ዋጋኮ ማዕሪኡ ክንድቲ ዝምሕረኒ ኢየ ከፊለዮ" ዝብል ኣይስኣንን።
ኣይኮነን! ፍጹም ኣይኮነን፡እግዚኣብሄር ንዝምሕረና ምሕረት ዋላ ሓደ ዝዋዳደሮን ዝመዓራረዮን የብሉን፡ነፍስና ንስሓ ክትኣቱ እንከላ፡ነቲ ካብ እግዚኣብሄር ዝምጦ ምሕረት ማዕረ ዋጋ ንኽትከፍል ኢላ ዘይኮነትሲ፡እቲ መሓሪ ባዕሉ ብጸግኡ "ንምሕረተይ ዝዋዳደር ነገር እካ ኣይሃሉ እምበር፡ተጣዒስኩም እንተመጻኹም ግን ምስቲ ጣዕሳኹም ኣረኣእየ፡ምሉእ ብምሉእ ምሕረተይ ክህበኩም ኢየ" ብምባል፡ንሕና ጣዕሳና ብንገልጸሉ ግዜ ንሱ ምሕረቱ ይኽዑ፡ንሕና ልብና ንህቦ ንሱ ምሕረቱ ንልብና ይመልኦ፡ንሕና ንመንገድና እንካ ምርሓዮ ንብሎ፡ንሱ ድማ ብምሕረቱ ነታ መንገዲ ቀጥ ዝበለት ሓንቲ ይገብራ።ለካ ኣብ መንጎ ምሕረት እግዚኣብሄርን ኣብ መንጎናን ሸመታ ይፍጸም'ዩ፡እረ ዓቢ ዕዳጋ ኢዩ፡ብዓል ዱንካን እግዚኣብሄር'ዩ፡ሸማቶ ድማ ወድ ኣዳም፡እዛ ድንካን እዚኣ ትሕዝቶኣ ኣይውዳእን ኢዩ፡ግን ብጥርሑ ከኣ ይርከብ፡እቲ ዘድሊ ናብዛ ድንካን መጺኻ ሃበኒ ምባል ጥራይ ኢዩ።ንሰብ መዓልታዊ ሃበኒ የሸልችዎ ኢዩ፡ንእግዚኣብሄር እናሻዕ የሐጉሶ።
ናብ ሰብ ዝውንኖ ድንካን ኣቲና፡ይትረፍዶ እቲ ዝኸበረ ነገርሲ፡ዋላ እታ ዝሓሰረት ነገር ንበላ ብዘይ ዋጋ ኣይህበናን ኢዩ።እግዚኣብሄር ግን ልብና ምሉእ ብምሉ ተጣዒሱ፡'ሂዎተይ ብዘይዛ ድንካን እዚኣ ክዕረ ኣይክእልን ኢየሞ ናብዛ ቤት እዚኣ ክኸይድ' ኢልና፡ነቲ ወናኒ ምሕረት ፡ምሕረት ሃበኒ እንተኢልናዮ፡ ሓጥእ ነይርካ ክትምሓር፡ውሽጥኻ ብሓጥያት መጊሉ ክንሱ ብምሕረት ክጸሪ፡መንገድኻ ዘምቢሉ ዝነበረ ክዕረ እቲ ዝኸበረን ዝዓበየን ዋጋ ዝሓትት ክንሱ፡እግዚኣብሄር ነዛ ምሕረት እዚኣ ብፍቓዱ ብናጻ ይህበና።ወየ ወየ ወየ መልቀስ ዘድልዮ ወየ!!! እንታይ ዝበለ ዕሽነት ኢዩ ወሪሩና!!!ልብና ሸውሃታ ተዓጽዩ፡ሓወይ ምሕረት እግዚኣብሄር ትደሊዶ፧ንስኺኸ ሓፍተይ ክትምሓሪ ትደልዪዶ፧ ጣዕሳ ጥራይ ይሃልውካ እምበር ምሕረት ኣምላኽ እንሃ፡ፍቕሪ ኣምላኽ ጥራይ ይሃልውኪ እምበር ንሱስ ስሌኺ ክብል ክሳብ ሞት ዘፍቀረኪ መድሂን ዓለም ጣዕሳኺ ክጽበ የእዳዉ ዘርጊሑ እንሆ።
እግዚኣብሄር ሆይ፡ምሕረትካ ንኸይምገብ ሸውሃተይ ዝዓጸዉ ብዙሓት ሓጣውእ ኣሎዉ፡ኣብ ውሽጠይ ምግሊ እንዳሰርሑ ንኸይጥዓስንሞ ንስኻ ንከይትምሕረኒ፡ ከም ብተንዲኖ ዝተሰርሐ መንደቕ ኮይኖም ጋሪዶምኒ ኣሎ።ኦ እግዚኣብሄር ናባኻ ክምለስ ሓይሊ ሃበኒ፡እዛ ዓለም ብሰብ ኣዕለቕሊቓ ኢያ፡ነቦና ኖህ ኪዱ ንዓለም ምልእዋ ኢልካ ዝኣዘዝካና፡ምድሪ ብፍጥረካ መልአት፡ምሕረትካ ቀረባ እንዳሃለወ ግን ሸውሃትና ተዓጽዩ፡ብሰንኪ ሓጥያትናን ዕሽነትናን ናባኻ ምምላስ ሓንጊድና፡ኣምላኽና ሆይ ነዚ ኩሉ ፍጥረትካ ምሕረት ካባኻ ክሽምት ሓይሊ ሃቦ።እመ ኣምላክ ቅድስት ድንግል ማርያም ሆይ ናብዛ ምሕረት እዚኣ ክንምለስ ኪዳንኪ ይሓልወና፡ኣሜንንንን
ስብሀት ለስሉስ ቅዱስ እንዘ ሰለስቱ ኣካላት ወይትሀዱ በመለኮት፡ወስብሀት ለቅድስት በ2ኤ ማርያም ወስብሀት ለመስቀኩ ክቡር ኣሜን።

እዛ ናይ ሎሚ ልቢ ከመይ ትመስል $$

ብስም ኣቦን ወዱን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን።
እዛ ናይ ሎሚ ልቢ ከመይ ትመስል $$
ኣብዚ ዘመን ዘሎ ልቢ ክተንብቦ እንተፈቲንካ፡ብዙሕ ዝተባራጀወ ሕብረ ቐለም ኮይኑ ኢዩ ዝረኣየካ።ሕብሩ ከም ዝተሓዋወሰ ስእሊ'ዩ።ስእሊ ምካኑውን ክትፈልጦ ኣጸጋሚ ኢዩ።ሓደ ሰኣሊ ክስእል እንከሎ፡ብዝተፈላለየ ሕብረቐለም እካ ዘቀናብር እንተኾነ፡ ዝተዋሃሃደ ገይሩ ኢዩ ዝዓይዮ።ስቕ ኢሉ ድብልቕ ድብልቕ እንተኣቢልዎ ግን ንተዓዛቢኡ ጋዶ፡ንሰኣሊኡ ባዶ።
ናይዚ ኣብዚ ዘመንዚ ዘሎ ልቢ ግን ዝተዘባረቐ ኮይኑዩ ይጸንሓካ።ኣብ ክንዲ እንታይ ኢልካ፧ ኣነ ክብለካ ስምዓኒ፡፡ኣብ ክንዲ ኣይተረዳኣንንሞ ኣረደኣኒ please፡ ዝብል no ንዓ ከረድኣካ፡ከምዚ ኢዩ እቲ ሓቂ፡፡ኣብ ክንዲ ይሰምዓካ ኣሎኹሞ ቀጽል፡ሓንሳብ ስምዓኒ፡፡ኣብ ክንዲ እዚስ ዓቢ ኢዩሞ፡ዋላ ፍልጠተይ ዝያድኡ ይኹን ዓቕሊ ገይረ ክሰምዖ ኣሎኒ፡ዝብል መን ፍለጥ ኢሉካ፡ኣነዶ ንስኻ ፈላጥ።ኣብ ክንዲ ትሕት ኢልካ ምዝራብ፡ልብኻ ገቲርካ ሓቅነተይ ተዘይወጺኣስ ኣይ ኣነን ኢየ ዝብል ምጉት።
ብዓል ሓዳር ኮይንካ ፍቕርተይ ክሰምዓኪ ኢየሞ ዝስምዓኪ ናይ ልብኺ ስምዒት ዘበለ ኩሉ ግለጽለይ ጽን ኢለ ይሰምዕ ኣሎኹ ምብላ፡ተዘይ ሰምዒክኒ ፍጹም ጽልኣተይ ክገድድ ኢዩ፡፡ኣነ እንተሰሚዐኪ ስብኣይነተይ ይሰዓር ኣሎ።ኣብ ክንዲ እንታይ ኣሎ ዝጎደለባ ግለጽለይ ምባል፡no ዝጎደለ ኣነ ኢየ ክነግረኪ ዘለኒ፡፡ኣብ ክንዲ ግለጽኒስከ እንታይ ኢዩ ጉድለተይ ምባል፡ንዒ ስምዒኒ ዘዝረኣኹልኪ ኣበር ጋሕጊሐ ክነግረኪ ንስኺ ጥራይ ስምዒኒ።
ናይ ዘመንና ልቢ ክተንብቦ እንከለኻ፡ንዓ ንበበኒ እምበር፡ንዓ ከምብበካ ኣይኮነን።ንዓ ፍለጠኒ እምበር ንዓ ክፈልጠካ ኣይኮነን።ንዓ ረኣየኒ እምበር ንዓ ክርእየካ ኣይኮነን።ንዓ ስምዓኒ እምበር እሺ ክሰምዓካ ኣይኮነን።ተዓዘብ ጅግንነተይ እምበር፡ከመይ ደኣሉ ታሪኽካ ክዕዘቦሞ ተርኸለይባ ኣይኮነን።
ኣብ ዝተፈላለየ መራኸቢ ብዙሓን ብፍላይ ድማ ኣብ facebook ክትዕዘብ እንከለኻ፡ብዙሓት ካባና ካባይ ጀሚርካ፡እንታይ ከምዝስምዖም፡ብመልክዕ ጽሑፍ ጸጺሕፍካ post ምግባር፡ሓዘን እንተኾይኑ"ሓዚነ ኣሎኹሞ ንዑ ረኣዩኒ ኢልካ ናይ ሓዘን ምልክት post ምግባር፡እንተተሓጊስካ፡ከም ዓቢ ጅግንነት ስለዝሕሰብ "እንሆ ትማሊ ስዕስዕ ሓዲረ መረጋገጺ ኣብዚ እነሀለኩም፣" ኢልካ ምዝርጋሕ፡፡ወዮ ንሱ ሓጎስ ተሓሲቡምበር ጽላለ ኢዩ።
ምሸት ወይ ንግሆ ብደጋዊ ትርኢትካ ምስ ካልእ ኣንጻር ጾታኻ ንዘለካ ክቱር ሕቡእ ናይ ሕልና ዝሙት ንምትንታን፡እቲ ሰብ ገለ እንተተረደኣለይ ንምባል፡ ብዙሕ ዶክረሽን ብዝተሓወሶ ስእልኻ post ምግባር።ወይ ውን ምስሓንቲ ኣንጻር ጾታኻ፡ብስጋዊ ፍትወት ዝፈጸምካዮ ርኹስ ዝሙት፡'ዓርከይ ኢያ፡ዓርከይ ኢዩ፡ኣፍቃሪተይ ኢያ፡ኣፍቃሪየይ ኢዩ፣' ብዝብል ምስምስ፡ንዑ ረኣዩኒ ከምዚ ክንገብር ሓዲርና፡ኣብ ከምዚ በጺሕና፡ንዝብል ውሽጣዊ ስእልኻ ንምትራኽ፡ተሓቓቒፍካ እንከለኻ ብዘርኢ ስእሊ post ምግባር።ኣዝዩ ዘሕፍር ዘመን ተበጺሑ ኣሎ።ኣንቲ ልቢ ትጋገዪ ከምዘለኺኮ፡እንተ ኣምቢብኪ ኢኺ ትእረሚ እምበር፡ሰባት እንተምቢቦምኺ ደኣ ድምጺ ፈጣሪኺ ብኸመይ ክትረኽብዮ፧ ድምጺ ኣምላኽኮ ህ ፥- ! ኢልካ ኣምቢብካዩ እምበር ተነቢብካ ኣይኮነን።ሰሚዕካ ኢዩ እምበር፡ኣስምዒኻ ኣይኮነን።ተማሂርካ ኢዩምበር፡ምሂርካ ኣይኮነን።ቅድሚ ንሰብ ምምሃርካ ኢካ ትምሃር እምበር፡ንሰባት ድሕሪ ምምሃርካ ኣይሎነካን ትመሃር።
በንጻሩ ምላልባሽ ሓንቲ ናይ ቅድስና ስነምግባር እንተፈጺምካ ድማ፡ረኣዩኒ ኣነኮ ኣብዚ ደረጃዚ ዝበጻሕኩ ሰብ ኢየ፡ኢልካ ማዕረ ክንደይ ዑዉት ስራሕ ሰሪሕካ ንኽትሕበን post ምግባር።ኣዝዩ ብዙሕ ብዙሕ ብዙሕ።ዝገበርካዮ መንፈሳዊ ጅግንነትኮ፡ ብኢድ ኣምላኽካ ኣገናዕ ንኽትብሃል እምበር፡ሰባት ንኸንጨብጭቡልካ ኣይኮነን ክኸውን፡ነይርዎ።
ሰብ ኣምባቢ እንተኾይኑ ኢዩ ዝዓቢ፡ተነባባቢ ግን ኣብ ሂዎቱ ዘምጽኦ ለውጢ የብሉን።ህጻን ብባህሪኡ ንነገራት ብዓይኒ ተመሃራይ ኮይኑ ኢዩ ዝርእዮም።ናይ ለብዘመን ልቢ ግን እነሀለኹ ኣብዚ ንዑ ንበቡኒ ትብል ኮይና ነገራ።
እሞ መን ደኣሉ ክመሃር።እግዚኣብሄር ንሰብ ክፈጥሮ እንከሎ፡ኩሉ ዝፈልጥ ገይሩ ኣይፈጠሮን።ኣሽንካይዶ ሰብሲ ቅዱሳን መላእክት እንካን ኣዝዮም ፈላጣት ልዕሎ ኣእምሮና እረ ልዕሊ ሕልናና ፍልጠት ዝውንኒ እካ እንተኾኑ፡ክንዲ ናይ እግዚኣብሄር ዝኣክል ፍልጠት ግን ኣይውንኑ ኢዮም።ፍጹም ፈላጥ፡እግዚኣብሄር ኢዩ።ሰብውን ይፈልጥ እካ እንተኾነ ውሱን ፍልጠት ኢዩ ዝውንን።እሞ ነዛ ውሱን ፍልጠት ዘለዋ ልብና፡'ንዑ ስምዑኒ ኣነ ከፍልጠኩም' ዝብል ጭርሖ እንተኣሕንጊጥናያ፡መዓስ ደኣላ ንሳኸ ክትምሃር፧መዓስ ኢያ ፍቓድ ፈጣሪኣ ክትፈልጥ፧ሰብ ብዙሕ ፍልጠት ክውንን ይኽእልዩ።ዓባይ ፍልጠት ግን ብምሕረት ኣምላኽ ኢያ።እታ ቀዳመይቲ ክፈልጣ ዝግበኦ ፈጣሪኡ መን ምኻኑን፡ፍቓድ ፈጣሪኡን ኢያ።ፈጣሪኡ እንተፈሊጡ፡ብድሕሪኡ ዝመጽእ ናይ ፈጣሪኡ ትእዛዛት፡ንሱ ዝጸልኦን ንሱ ዝሕጎሰሉ ክምህሮ ኢዩ።
እሞ ኣንታ ናይ ለብዘመን ልቢ፡ብኣነ ክነግረካ ዝብል ስምዒት እንተተወጢርካ ደኣ፡ብኸመይ ኢኻ ፈጣሪኻ ክትፈልጥ፧ብኸመይከ ጽቡቕን ሕማቕን ዝኾነ ናይ ኣምላኽካ ፍቓድካ ክትምሃር፧
ኣንታ ልቢ ጽን በል እምበር፡ኣይትጨድር።ህ:-| ? በል እምበር ስምዓኒዶ ኣይትበል።ኣረድኣኒባ ምባል ይሕሸካ መታን ክትርዳእ፡ኩሉ ግዜ ኣረዳኢ ምኻን ግን ትርደኦ ነገር ክውሕደካ ኢዩ።ግለጸኒ ኣነ ከመይ ኢየ፡ጉድለተይባ ንገረኒ፡በል እምበር፡ንነፍሲ ወከፍ በሰራት ክትለቅም ኣይትወዓል።ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጉንዲ ከየውጻኻስ፡ከመይ ኣቢልካ ኣብቲ ሓውካ ዘሎ ገፈል ክትርኢ በቓዕካ።
ኣንቱም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ግን ኣብዛ ቅድስቲ ኣበር ዘየብላ ድንግል ዝኾነ ቤት እግዚኣብሄር፡ ምንፍቕና ከይትኣቱ፡ብደቂቕ ተኸታተሉ እምበር ሸለል ኣይትበሉ።እታ ንእሽቶ ስሕተት ትምህርቲ ኢያ ኢልኩም ዝገመትኩማ፡ሰይጣን ዝኣለማ ስለዝኾነት፡ምላልባሽ ጽባሕ ኣርዮስ ኮይና ክትመጽእ ትኽእል ኢያ።እታ ሕጂ ድሓን ብስጋኮ ሓወይ ኢዩ ኢልኩም ዝነፈግኩማ፡ጽባሕ ግን ልዮን ኮይና ጭሕምኹም ክትላጽየኩም ትኽእል ኢያ። እታ ሕጂ ድሓን ኣበይ ከይበጽሕ ኢልኩም ዝነዓቕኩማ፡ጽባሕ መንደረጋሕ ኮይና ክትመጽእ ትኽእል ኢያ።
ስለዚ ንፍቓድ ኣምላኽ ዝጠዊ ሰብ፡ዋላ ንእሽቶ ትኹን ሸለልታ ኣይግበኦን ኢዩ።ነገር ግን ንልቡ ብዘየጥፍእ፡ተስፋ ብዘየቑርጽ፡ካብ ቤት ኣምላኽ ከጥፍኦ ብዘይክእል ብፍጹም ትሕትና ፍቓድ ኣምላኽካ ኣረዳኣዮ።እዚውን ፍቓደኝነት ካብ ልቡ ክርከብ ኣሎዎ።ክርስቶስ ብዙሓት ህዝቢ ብዛዕባ ምስጢረ ቁርባን ስለዝመሃረ፡ብዙሓት ሰዓብቲ ንድሕሪት ተመለሱ።ሃዋርያትውን "እዚስ መን ክሰምዖ ይኽእል እጹብ ኢዩ"፡ኢሎም ንምእማኑ ኣሸገሮምሞ፡' no ግድን ክትኣምዎ ኣሎኩም፡ተዘይኮነ ብሴፍ ክውደኣኩም ኢዩ፣' ኣይበለን። እንታይ ደኣ፡ትምህርቱስ ትሕትናን ብናጻ ፍቓድን ዝተቓመመ ነበረ።' "ንስኻትኩምከ ክትከዱዶ ትደልዩ ኢኹም!' ኣዝዩ ደስ ዝብል ናይ ፍቕሪ ቃል ኢዩ።ፍቓድ ኣምላኽ ኣይቅየርን ኢዩ፡ብሓይሊ ዓሚጹ ግን ተቐበሉኒ ኣይብልን ኢዩ።"ተቐበልዎ ኣይትቀበልዎ እቲ ሓቂ እነግረኩም ኣሎኹ፥ ክትቅበሎ እትደሊ ነፍሲ ክትድሕን ኢያ፡ኣይኮውንን ኢዩ፡በዚ ምኻድ ይሕሸኒ ዝበለት ልቢ ግን ብግድነታዊ ሰንሰለት ኣይትእሰርን ኢያሞ፡ንስኻትኩምከ ክትከዱ ትደልዩ ዲኹም፧"በለ።
ኦ ሱዩማነ እግዚኣብሄር ኣብ ቤቱ ዘለኹም ህዝቡ፡ኣብ ቤቱ ንዘላ እሾኽ ነቒስና ንምውጻእ ትግሃትነት ይሓተና ኣሎ።ኦ ሕዝቢ ኣምላኽ "ኣነ!"ዝብል ስምዒት ዘይኮነስ፡"እግዚኣብሄር!"ዝብል ድምጺ ልቢ ነጥሪ።ረኣየኒ ዝብል መግልሒ ድምጺ ዘይኮነስ፡እነሀለ ንኺድ ንረኣዮ ንእግዚኣብሄር ዝብል መቓልሕ ትሕትና ኣብ ልብና ይፈለጥ።
ስብሀት ለእግዚኣብሄር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...