ብስም ኣቦን ወዱን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን።
እዛ ናይ ሎሚ ልቢ ከመይ ትመስል $$
ኣብዚ ዘመን ዘሎ ልቢ ክተንብቦ እንተፈቲንካ፡ብዙሕ ዝተባራጀወ ሕብረ ቐለም ኮይኑ ኢዩ ዝረኣየካ።ሕብሩ ከም ዝተሓዋወሰ ስእሊ'ዩ።ስእሊ ምካኑውን ክትፈልጦ ኣጸጋሚ ኢዩ።ሓደ ሰኣሊ ክስእል እንከሎ፡ብዝተፈላለየ ሕብረቐለም እካ ዘቀናብር እንተኾነ፡ ዝተዋሃሃደ ገይሩ ኢዩ ዝዓይዮ።ስቕ ኢሉ ድብልቕ ድብልቕ እንተኣቢልዎ ግን ንተዓዛቢኡ ጋዶ፡ንሰኣሊኡ ባዶ።
ናይዚ ኣብዚ ዘመንዚ ዘሎ ልቢ ግን ዝተዘባረቐ ኮይኑዩ ይጸንሓካ።ኣብ ክንዲ እንታይ ኢልካ፧ ኣነ ክብለካ ስምዓኒ፡፡ኣብ ክንዲ ኣይተረዳኣንንሞ ኣረደኣኒ please፡ ዝብል no ንዓ ከረድኣካ፡ከምዚ ኢዩ እቲ ሓቂ፡፡ኣብ ክንዲ ይሰምዓካ ኣሎኹሞ ቀጽል፡ሓንሳብ ስምዓኒ፡፡ኣብ ክንዲ እዚስ ዓቢ ኢዩሞ፡ዋላ ፍልጠተይ ዝያድኡ ይኹን ዓቕሊ ገይረ ክሰምዖ ኣሎኒ፡ዝብል መን ፍለጥ ኢሉካ፡ኣነዶ ንስኻ ፈላጥ።ኣብ ክንዲ ትሕት ኢልካ ምዝራብ፡ልብኻ ገቲርካ ሓቅነተይ ተዘይወጺኣስ ኣይ ኣነን ኢየ ዝብል ምጉት።
ብዓል ሓዳር ኮይንካ ፍቕርተይ ክሰምዓኪ ኢየሞ ዝስምዓኪ ናይ ልብኺ ስምዒት ዘበለ ኩሉ ግለጽለይ ጽን ኢለ ይሰምዕ ኣሎኹ ምብላ፡ተዘይ ሰምዒክኒ ፍጹም ጽልኣተይ ክገድድ ኢዩ፡፡ኣነ እንተሰሚዐኪ ስብኣይነተይ ይሰዓር ኣሎ።ኣብ ክንዲ እንታይ ኣሎ ዝጎደለባ ግለጽለይ ምባል፡no ዝጎደለ ኣነ ኢየ ክነግረኪ ዘለኒ፡፡ኣብ ክንዲ ግለጽኒስከ እንታይ ኢዩ ጉድለተይ ምባል፡ንዒ ስምዒኒ ዘዝረኣኹልኪ ኣበር ጋሕጊሐ ክነግረኪ ንስኺ ጥራይ ስምዒኒ።
ናይ ዘመንና ልቢ ክተንብቦ እንከለኻ፡ንዓ ንበበኒ እምበር፡ንዓ ከምብበካ ኣይኮነን።ንዓ ፍለጠኒ እምበር ንዓ ክፈልጠካ ኣይኮነን።ንዓ ረኣየኒ እምበር ንዓ ክርእየካ ኣይኮነን።ንዓ ስምዓኒ እምበር እሺ ክሰምዓካ ኣይኮነን።ተዓዘብ ጅግንነተይ እምበር፡ከመይ ደኣሉ ታሪኽካ ክዕዘቦሞ ተርኸለይባ ኣይኮነን።
ኣብ ዝተፈላለየ መራኸቢ ብዙሓን ብፍላይ ድማ ኣብ facebook ክትዕዘብ እንከለኻ፡ብዙሓት ካባና ካባይ ጀሚርካ፡እንታይ ከምዝስምዖም፡ብመልክዕ ጽሑፍ ጸጺሕፍካ post ምግባር፡ሓዘን እንተኾይኑ"ሓዚነ ኣሎኹሞ ንዑ ረኣዩኒ ኢልካ ናይ ሓዘን ምልክት post ምግባር፡እንተተሓጊስካ፡ከም ዓቢ ጅግንነት ስለዝሕሰብ "እንሆ ትማሊ ስዕስዕ ሓዲረ መረጋገጺ ኣብዚ እነሀለኩም፣" ኢልካ ምዝርጋሕ፡፡ወዮ ንሱ ሓጎስ ተሓሲቡምበር ጽላለ ኢዩ።
ምሸት ወይ ንግሆ ብደጋዊ ትርኢትካ ምስ ካልእ ኣንጻር ጾታኻ ንዘለካ ክቱር ሕቡእ ናይ ሕልና ዝሙት ንምትንታን፡እቲ ሰብ ገለ እንተተረደኣለይ ንምባል፡ ብዙሕ ዶክረሽን ብዝተሓወሶ ስእልኻ post ምግባር።ወይ ውን ምስሓንቲ ኣንጻር ጾታኻ፡ብስጋዊ ፍትወት ዝፈጸምካዮ ርኹስ ዝሙት፡'ዓርከይ ኢያ፡ዓርከይ ኢዩ፡ኣፍቃሪተይ ኢያ፡ኣፍቃሪየይ ኢዩ፣' ብዝብል ምስምስ፡ንዑ ረኣዩኒ ከምዚ ክንገብር ሓዲርና፡ኣብ ከምዚ በጺሕና፡ንዝብል ውሽጣዊ ስእልኻ ንምትራኽ፡ተሓቓቒፍካ እንከለኻ ብዘርኢ ስእሊ post ምግባር።ኣዝዩ ዘሕፍር ዘመን ተበጺሑ ኣሎ።ኣንቲ ልቢ ትጋገዪ ከምዘለኺኮ፡እንተ ኣምቢብኪ ኢኺ ትእረሚ እምበር፡ሰባት እንተምቢቦምኺ ደኣ ድምጺ ፈጣሪኺ ብኸመይ ክትረኽብዮ፧ ድምጺ ኣምላኽኮ ህ ፥- ! ኢልካ ኣምቢብካዩ እምበር ተነቢብካ ኣይኮነን።ሰሚዕካ ኢዩ እምበር፡ኣስምዒኻ ኣይኮነን።ተማሂርካ ኢዩምበር፡ምሂርካ ኣይኮነን።ቅድሚ ንሰብ ምምሃርካ ኢካ ትምሃር እምበር፡ንሰባት ድሕሪ ምምሃርካ ኣይሎነካን ትመሃር።
በንጻሩ ምላልባሽ ሓንቲ ናይ ቅድስና ስነምግባር እንተፈጺምካ ድማ፡ረኣዩኒ ኣነኮ ኣብዚ ደረጃዚ ዝበጻሕኩ ሰብ ኢየ፡ኢልካ ማዕረ ክንደይ ዑዉት ስራሕ ሰሪሕካ ንኽትሕበን post ምግባር።ኣዝዩ ብዙሕ ብዙሕ ብዙሕ።ዝገበርካዮ መንፈሳዊ ጅግንነትኮ፡ ብኢድ ኣምላኽካ ኣገናዕ ንኽትብሃል እምበር፡ሰባት ንኸንጨብጭቡልካ ኣይኮነን ክኸውን፡ነይርዎ።
ሰብ ኣምባቢ እንተኾይኑ ኢዩ ዝዓቢ፡ተነባባቢ ግን ኣብ ሂዎቱ ዘምጽኦ ለውጢ የብሉን።ህጻን ብባህሪኡ ንነገራት ብዓይኒ ተመሃራይ ኮይኑ ኢዩ ዝርእዮም።ናይ ለብዘመን ልቢ ግን እነሀለኹ ኣብዚ ንዑ ንበቡኒ ትብል ኮይና ነገራ።
እሞ መን ደኣሉ ክመሃር።እግዚኣብሄር ንሰብ ክፈጥሮ እንከሎ፡ኩሉ ዝፈልጥ ገይሩ ኣይፈጠሮን።ኣሽንካይዶ ሰብሲ ቅዱሳን መላእክት እንካን ኣዝዮም ፈላጣት ልዕሎ ኣእምሮና እረ ልዕሊ ሕልናና ፍልጠት ዝውንኒ እካ እንተኾኑ፡ክንዲ ናይ እግዚኣብሄር ዝኣክል ፍልጠት ግን ኣይውንኑ ኢዮም።ፍጹም ፈላጥ፡እግዚኣብሄር ኢዩ።ሰብውን ይፈልጥ እካ እንተኾነ ውሱን ፍልጠት ኢዩ ዝውንን።እሞ ነዛ ውሱን ፍልጠት ዘለዋ ልብና፡'ንዑ ስምዑኒ ኣነ ከፍልጠኩም' ዝብል ጭርሖ እንተኣሕንጊጥናያ፡መዓስ ደኣላ ንሳኸ ክትምሃር፧መዓስ ኢያ ፍቓድ ፈጣሪኣ ክትፈልጥ፧ሰብ ብዙሕ ፍልጠት ክውንን ይኽእልዩ።ዓባይ ፍልጠት ግን ብምሕረት ኣምላኽ ኢያ።እታ ቀዳመይቲ ክፈልጣ ዝግበኦ ፈጣሪኡ መን ምኻኑን፡ፍቓድ ፈጣሪኡን ኢያ።ፈጣሪኡ እንተፈሊጡ፡ብድሕሪኡ ዝመጽእ ናይ ፈጣሪኡ ትእዛዛት፡ንሱ ዝጸልኦን ንሱ ዝሕጎሰሉ ክምህሮ ኢዩ።
እሞ ኣንታ ናይ ለብዘመን ልቢ፡ብኣነ ክነግረካ ዝብል ስምዒት እንተተወጢርካ ደኣ፡ብኸመይ ኢኻ ፈጣሪኻ ክትፈልጥ፧ብኸመይከ ጽቡቕን ሕማቕን ዝኾነ ናይ ኣምላኽካ ፍቓድካ ክትምሃር፧
ኣንታ ልቢ ጽን በል እምበር፡ኣይትጨድር።ህ:-| ? በል እምበር ስምዓኒዶ ኣይትበል።ኣረድኣኒባ ምባል ይሕሸካ መታን ክትርዳእ፡ኩሉ ግዜ ኣረዳኢ ምኻን ግን ትርደኦ ነገር ክውሕደካ ኢዩ።ግለጸኒ ኣነ ከመይ ኢየ፡ጉድለተይባ ንገረኒ፡በል እምበር፡ንነፍሲ ወከፍ በሰራት ክትለቅም ኣይትወዓል።ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጉንዲ ከየውጻኻስ፡ከመይ ኣቢልካ ኣብቲ ሓውካ ዘሎ ገፈል ክትርኢ በቓዕካ።
ኣንቱም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ግን ኣብዛ ቅድስቲ ኣበር ዘየብላ ድንግል ዝኾነ ቤት እግዚኣብሄር፡ ምንፍቕና ከይትኣቱ፡ብደቂቕ ተኸታተሉ እምበር ሸለል ኣይትበሉ።እታ ንእሽቶ ስሕተት ትምህርቲ ኢያ ኢልኩም ዝገመትኩማ፡ሰይጣን ዝኣለማ ስለዝኾነት፡ምላልባሽ ጽባሕ ኣርዮስ ኮይና ክትመጽእ ትኽእል ኢያ።እታ ሕጂ ድሓን ብስጋኮ ሓወይ ኢዩ ኢልኩም ዝነፈግኩማ፡ጽባሕ ግን ልዮን ኮይና ጭሕምኹም ክትላጽየኩም ትኽእል ኢያ። እታ ሕጂ ድሓን ኣበይ ከይበጽሕ ኢልኩም ዝነዓቕኩማ፡ጽባሕ መንደረጋሕ ኮይና ክትመጽእ ትኽእል ኢያ።
ስለዚ ንፍቓድ ኣምላኽ ዝጠዊ ሰብ፡ዋላ ንእሽቶ ትኹን ሸለልታ ኣይግበኦን ኢዩ።ነገር ግን ንልቡ ብዘየጥፍእ፡ተስፋ ብዘየቑርጽ፡ካብ ቤት ኣምላኽ ከጥፍኦ ብዘይክእል ብፍጹም ትሕትና ፍቓድ ኣምላኽካ ኣረዳኣዮ።እዚውን ፍቓደኝነት ካብ ልቡ ክርከብ ኣሎዎ።ክርስቶስ ብዙሓት ህዝቢ ብዛዕባ ምስጢረ ቁርባን ስለዝመሃረ፡ብዙሓት ሰዓብቲ ንድሕሪት ተመለሱ።ሃዋርያትውን "እዚስ መን ክሰምዖ ይኽእል እጹብ ኢዩ"፡ኢሎም ንምእማኑ ኣሸገሮምሞ፡' no ግድን ክትኣምዎ ኣሎኩም፡ተዘይኮነ ብሴፍ ክውደኣኩም ኢዩ፣' ኣይበለን። እንታይ ደኣ፡ትምህርቱስ ትሕትናን ብናጻ ፍቓድን ዝተቓመመ ነበረ።' "ንስኻትኩምከ ክትከዱዶ ትደልዩ ኢኹም!' ኣዝዩ ደስ ዝብል ናይ ፍቕሪ ቃል ኢዩ።ፍቓድ ኣምላኽ ኣይቅየርን ኢዩ፡ብሓይሊ ዓሚጹ ግን ተቐበሉኒ ኣይብልን ኢዩ።"ተቐበልዎ ኣይትቀበልዎ እቲ ሓቂ እነግረኩም ኣሎኹ፥ ክትቅበሎ እትደሊ ነፍሲ ክትድሕን ኢያ፡ኣይኮውንን ኢዩ፡በዚ ምኻድ ይሕሸኒ ዝበለት ልቢ ግን ብግድነታዊ ሰንሰለት ኣይትእሰርን ኢያሞ፡ንስኻትኩምከ ክትከዱ ትደልዩ ዲኹም፧"በለ።
ኦ ሱዩማነ እግዚኣብሄር ኣብ ቤቱ ዘለኹም ህዝቡ፡ኣብ ቤቱ ንዘላ እሾኽ ነቒስና ንምውጻእ ትግሃትነት ይሓተና ኣሎ።ኦ ሕዝቢ ኣምላኽ "ኣነ!"ዝብል ስምዒት ዘይኮነስ፡"እግዚኣብሄር!"ዝብል ድምጺ ልቢ ነጥሪ።ረኣየኒ ዝብል መግልሒ ድምጺ ዘይኮነስ፡እነሀለ ንኺድ ንረኣዮ ንእግዚኣብሄር ዝብል መቓልሕ ትሕትና ኣብ ልብና ይፈለጥ።
ስብሀት ለእግዚኣብሄር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።