lørdag 10. juni 2017

መጽሓፈ ሄኖክ ኣንድምታ ብኣምሓርኛ

http://books.good-amharic-books.com/haynok-1.PDF

"መኣዲ መስ ሶርያዊ!"

በስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።

"መኣዲ መስ ሶርያዊ!"
፨፨፨ ፨፨፨ ፨፨፨
ኣዚኻ ብዝጠመኻሉ ዕለት ኢዩ ንበል፡ኣብ ቅድሜኻ መግቢ ተቐሪቡልካ ንስኻውን ንምብላዕ እንክትቀራረብ፡ሓደ ኣቦ ነቲ መኣዲ ንኽባርኹ ተንሲኦም።ኣቦ ናይ መኣዲ ጸሎት ቁሩብ ኣንውሕ እንተዘብልዎስ እንታይ ምተሰመዓካ፧

መቸም መዓናጡኻ ብጥሙዩ፡ብኣፍካ ኣሜን እንዳበልካ ብልብኻ ግን ምርጋምካ ኣይተርፍን።" ኣነ ነቲ ጸሎት መዓስ ኢየ ዝጸላእክዎ፧ ነገር ግን ሰሎሞን 'ንኹሉ ገግዚኡ ኣሎዎ' ኣይበለን ድዩ፧" እንዳበልካ ምስ ገዛእ ርእስኻ ትማጎትዶ ትህሉ፧መቸም ጸሎቱ ኣብቂዑ ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ካብ ጎይታ ብዝተማሃርክዎ ስርዓት፡(ሉቃ 24፣30) እቲ ካህን ካብቲ እንጌራ ቆሪሱ ምስሃበ ባዶነትካ ዘይክበርሃልካ ይኽእል ኢዩ።ማእዲ ምስተጀመረ ግን ቂምታኻ ረሲዕካ ደስ ኢሉካ ኢኻ ትምገቦ።እቲ ሶርያዊ ዝበሎ እንተትሰምዕ ግን ገዛእ ርእስኻ ምተዓዘብካያ!

እቲ ሶርያዊ ቅዱስ ኤፍሬም ቅድሚ ምብልዑ ንዝግበር ጸሎት፡ሓደ ካብቶም ኣዝዩ ዓቢ ቦታ ዝህብዎ ኣቦታት ነበረ።ርግጽ ኢዩ ኣብ መጽሓፈ መነኮሳት መግቢ ቀሪቡ ክባርኽ ኢሉ ጸሎት ምስ ጀመረ፡ድሕሪኡ ነቲ መግቢ ረሲዑ፡ብተመስጦ ጸሎት እንክገብር ዝሓደረ፡ንጽባሒቱ ዝቐጸለ መዓልቲ ጾም ዝኣትዎ ኣቦ ኣሎዉ።ብርግጽ ናይ እግዚኣብሄር ስም መግቢ ዝኾኖም ኣቦታት ካብ ሰማያዊ መኣዲ ብድድ ኢሎም ተንሲኦም፡ናብ ምድራዊ መግቢ ምምጻእ፡ቁልቁለት ይኾኖም።ንሕና ስጋውያን ድማ፡ንሰማያዊ ናይ ጸሎት ጉዕዞ ቀሪብና እንካን ስለምድራዊ መግቢ ምሕሳብ ኣይነቃርጽን።
ብርግጽ ንምብላዕ ፈጣሪ ምምስጋን ስለምንታይ ኣድለየ፧

ቅዱስ ኤፍሬም ስለ መግቢ ብዝደረሶ ኣብ
(Table Blessing of Mar Ephrem) ዝብል መጽሓፉ፡" ኣዳም ኣብ ገነት እንዳሃለወ ነታ ዕጸ በለስ ቅድሚ ምብልዑ ኣየመስገነን።ምብልዑውን ዓመጽ ኮይኑ ተቖጽረሉ፡( ንኣዳም ንምድሓን ንካሕሳ ዝመጸ) ጎይታ ግን ማእዲ ኣመስጊኑ ፡ባሪኹ ይቖርስ ነበረ።"ብማለት ይዛረብ።እስከ ኣዳምን ሄዋንን ነታ ዕጸ በለስ ዝበልዑላ ዕለት ንዘክራ!

"ብለይቱ ነታ ዕጸ ንምብላዕ ዝጠዓመት ከምዝኾነ፡ንዓይኒውን ኣዝዩ ከምዝስሕብ፡ጥበብ ንምሃብ ጽቡቕ ከምዝኾነት ረኣየት።ካብቲ ፍሬኡ ወሰደትሞ በለዐት።ድማ ፦ንሰብኣያ ሂባ፡ንሱውን ምስኣ በለዐ።" (ዘፍ3፣6)
"ወሰደትሞ በለዐት፡ሃበቶሞ በልዐ።" ንዝብላ ቃላት ኣዳምን ሄዋንን ከየመስገኑ ምብልዖም ቁልጭ ኣቢሉ የርእየና።ምላልባሽውን ቅድሚ ምብልዖም ብጸሎት ኣመስጊኖም እንተዝነብሩ፡ናይ ፈጣሪኦም ትእዛዝን ዝገበረሎም ኩሉን ሓሲቦም ካብ ሓጥያት ክኽልከሉ ምኸኣሉ ነይሮም።

ቅዱስ ኤፍሬም ሰብ ብብልዑ ካብዘየመስገነ፡ካብ እንሥሳ ኣይፍለይን ኢዩ ይብል።እንሥሳታት ስለቲ ዝበልዕዎ ነገር ኣመስጊኖም ኣይፈልጡን ኢዮም።( ሓደ ኣቦ፡ ደርሆ ማይ ክትሰቲ እንከላ ቅንዕ እትብሎ፡ንምስጋናዶ ይኾውን፧) ክብሉ ሰሚዐ ነይረ።ማይ ምውራዱ ከምዘለዎ ኮይኑ'ዩ።) ስለዚ ቅዱስ ኤፍሬም " በሊዖም ከምዘየመስግኑ ከም እንሥሳታት ኣይንኹን።" ይብል። መሊሱ ድማ" ኣብ ቅድሚ መኣዲ ኮፍ ኢልና እንዳበላዕና ነመስግን፡እንዳመስገንና ንብላዕ።ነቲ ዝወረረና ዓጸቦ ካብ ተወገደልና፡ጽምእና ካብ ተቓረጸልና፡ሕጂ ብዘይምህዋኽ ነመስገን።" ይብለና።ምኽንያት ምምስጋንና ነፍሲ ወከፍ ኣብውሽጢ መግቢ ናይ ፈጣሪ ስራሕ ስለዘሎ'ዩ።እዚ ድንቂ ኣቦ፡ብውሁብ ናይ ዝማሬ ግጥሚታቱ ዘርዚሩ ይነግረና።

እንጀራ ወይውን ቕጫ፡ክትበልዕ እንከለኻ፡ኣዚ እንጄራ ካብ ሓመድ ይርከብ ምኻኑ ዘኪርካ ትፈልጥዶ፧እንታይ ደኣሞ ናይ ፈጣሪ ስራሕ ምድናቕ ኣይከኣለካን ድዩ፧ጡዑም ጽማቕ ክትሰቲ እንከለኻ፡እዚ ጽማቕ ካብ ዕንጨይቲ ዝተረኽበ ምኻኑ ኣስተውዒልካ ትፈልጥዶ፧ነቲ መግቢ ጣዕሚ ዝሃቦ፡ካብ ኣሻኽ ዕንጨት ዝተጸምቀ ዘይቲ ከምዝኾነ ስለምንታይ ትርስዕ ኣሎኻ፧ካብዚ ንላዕሊ እንታይ ዓይነይ ኣደናቒ ቸርነት ኣሎ፧ጨው እንተዘይነብር እዚ መግቢ ማይ ማይ ዘብል ኣይምነበረን።ጨውሲ ከም እምኒ ኣብዝረግጽዎ ስፍራ ዘቐመጠልካ ፈጣሪ ከየመስገንካ ስለምንታይ ትበልዕ ኣሎኻ፧" ይብል እቲ ቅዱስ።

ቅዱስ ኤፍሬም ሓቁ'ዩ።መግቢ ዘብሰሉልና ክኢላታት ሰብ ሞያውያን ነመስግኖም ኢና፡መግቢ ዝፈጠረ ደኣ ከመይ ዘንጊዕናዮ፧ናይቲ መግቢ ጣዕሚ ተገሪምናሉስ፡ናይቲ መግቢ ፈጣሪ ንምምስጋን ንእሽቶ ደቓይቕ እንካን ምዕጋስ ተሳኢኑና፧ጡዑም መግቢ ዘብሰሉልና ሰባት" ኢድ ይባርኽ!" ኢልና ነመስግን ኢና።ናይቶም ኣብሰልቲ ኢድን ነቲ ዝበስለ መግብን ዝፈጠረ ጎይታ ግን ኣይንዝክሮን እካ፧ቤት መግቢ ኣቲና፡ንውሑድ ሰዓታት ተመላሊሶም፡ቦታ ሂቦም፡ጽቡቕ መግብን መስተን ብኣኽብሮት ንዘቕረቡልና ኣአንገድቲ ምስጋና ነቕርበሎም ኢና።ዝነኦም ድማ ንኻልእ ሰብ ንነግረሎም ።ከም ሓደ ክቡር ኣአንጋዲ ኣብዚ ምድሪ ዝርከብ ኩሉ ኣሰናዲኡ ብምፍጻም፡ዝፈጠረን ካብ ዝተፈጠርናሉ ዘመን ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ኣብቂሉ ብጸሓይ ኣብሲሉ ዝምግበና ፈጣሪ ግን ንምምስጋን ግዜ ክሓጽረና ክንደይ የሐዝን!!!

ቅዱስ ኤፍሬም ኣብ ቅድሚ መኣዲ ስለ ሓዊውን ኣመስግኑ ይብል።
" እሳት ኣይብላዕን'ዩ፡ብኡኡ ንዝበስሉ መግብታት ኩሉ ግን ጣዕሚ ይህቦም።ብናይ መግቢ ጣዕሚ፡ናይ እሳትነት ዋዒ እንዳሃለወ ነበልባሉ ግን የለን።ሙቐቱ ኣብ የእዳውና 'ዩ፡ምቅጻሉ ድማ ካባና ርሓቐ።" ስለዚ ነቲ ሓዊ ድንቂ ገይሩ ዝፈጠረ ኣምላኽ እንዳመስገንኩም ብልዑ ይብል።

"ጎይታና እንጀራን ዓሳን ኣበርኪቱ ብዘብለዓሉ ግዜ ከምዝተመገቡ ሰባት ንኹን።ንሳቶም ክበልዑ እንከለዉ፡ብስጋውነቶም ጥራይ ዘይኮነስ፡ብነፍሳውነቶም ውን እምበር።ኣፎም ነቲ ዓሳን እንጌራን ኣየዕረፈን፡ሕልነኦም ድማ ፈጣሪ ካብ ምድናቕ ኣየዕረፈን።ይኹን እምበር ካብ መግቦም ንላዕሊ መግቢ ንዝሃቦም ጎይታ፡ምፍላጦም በሊጽሎም ምስጋንኦም ተተኪኡ ነበረ።(ዮው6፣13)

ቅዱስ ኤፍሬም ኣይወደአን፡" እንዳበላዕኩም ስለእግዝኣብሄር ተዘራረቡ፡መኣድኹም ናይ መንግስተ ሰማያት መኣዲ ይኹን፡" ይብል።ኣብ መኣዲ ስለምንታይ ንዛረብ፧ ካብ በልና ድማ ስለማኣዲ ተዛረቡ ይብለና።"
ኣብርሃም ናብ ቤት እግዚኣብሄር ተረኺቦም፡ስለቲ ዝቕረብሉ መኣዲ ተዛራረቡ፡(ዘፍ19፣1)።ነቲ ድኻ ኣልኣዛር ኣብ ኣፍደገ ገዝኡ ኣደቂሱ ይብልዕ ንዝነበረ ስለ ናይቲ ብዓለጸጋ መኣዲ ተዘራረቡ።(ሉቃ16፣21) ክትበልዑ እንከለኹም፡" ጠምየዶ ኣብላዕኩምኒ፡እንክትሰትዩ ጸሜአዶ ኣስቲኹምኒ፡ንዝብል ቃል ዘክር።
ብመኣድኹም ወይኒ ቀሪቡ እንተሎውን ብዙሕ ነገራት የዋጃበሩኻ።ወይኒ ከይሰተዩ ዝነበሩ ዝነበሩ ደቂ ኢናዳብ ተዘራረቡ።(ኤር35) ወይኒ ክትቀድሑ እንከለኹም ጳውሎስ ንጢመጢዎስ" ንኸብድኻ ቁሩብ ወይኒ ስተ" ከምዝበሎ ዘክሩ።(1ጢመ5፥23)በዚ ወይኒ መስተ ምብዛሕ ሎጥን ኖህን ናብ ምንታይ ጥፍኣት ከምዝወሰዶም እንዳዘከርኩም ካብ ምስካር ተቖጠቡ።(ዘፍ9፣21። 19፣33)

ብግዜ መኣዲ ሰብ ካብ ምትሕምማይ ቃሉ ምዝርራብ ይሓይሽ በሃሊ ኢዩ።መሃሪ ኤፍሬም ከምዚ ይብል።
"ከም ሓደሓደ ሰብ ክበልዕን ክሰትን ተቐሚጡ ዝረኣኻዮ ስጋኡ ኣየርውዮን ኢዩ።ሳኦል ስጋ ንምምጋብ ተቐሚጡ፡ናይ ዳዊት ስጋ ይምገብ ነበረ።ብገሃዲ ወይኒ እንዳሰተየ ብስውር ግን ናይ ዳዊት ደም ይሰቲ ነበረ።(1ሳሚ 20፣24)

ናይ ዮሴፍ የሕዋት ክበልዑ እንከለዉ፡ተቐሚጦም ሓዎም ንምቕታል ናብ ጉድጋድ ደርብዮም ይማኸሩ ነበሩ።መግቦም እንዳዋገዑ እንክበልዑ ደስ በሎም።ዮሴፍ" ክትሰግዱለይ ርእየኩም" ኢሉ ሕልሙ ካብ ዝነገሮም ግዜ ጀሚሮም፡ከምዛ መዓልቲ እዚኣ ገይሮም ዝበልዑላ መዓልቲ ግን የላን።
የዋህ ዮሴፍ ኣብግብጺ ገዛኢ ኮይኑ ምስ ተሾመ ግን እንዳበልዑ ንዝሸጥዎ የሕዋቱ፡ኣብ ቤተ መንግስቱ ንኽበልዑ ናብ መኣዱ ጸውዖም።" ምስ የሕዋቱ ኮይኑ ካብ ዝበልዓላ መዓልቲ፡ዮሴፍ ናይ ግብጺ እንጄራ ኣይምቅሮን ነበረ።ምስ የሕዋቱ ኮይኑ ንዝሰተዮ መዓልቲ ንላዕሊ፡ናይ ፈርዖን ወይኒ ኣየደሰቶን ነበረ።"

"ንዝፈትዎ ሰብ እንዳረኣዮ ዝሰትዮ ሰብ ምስቲ ወይኒ ገይሩ ይሰትዮ፡ጸላኢኡ እንዳረኣየ ዝሰትዮ ግን ምስቲ መስተኡ ቁጡዓ የመንጩ።ንሕና ግን ወይንናን እንጀራናን ከምንፈቱ፡ንሓድሕድና ንተሓቓቖፍ። እቲ ወይኒ ብናይ ጎሪረና ደም ምስዝወርድ፡ፍቕሪ ብሕልናና ይፈሰሰ።መግቢ ናብ ከብድና ክወርድ እንከሎ ጸሎት ብሕልናና ይምበር።"

በሊዕና ክንውድእ እንከለና" ስብሀት " ኢልና ነመስግን።እስራኤል በሊዖም ብዘይምምስጋኖም ከምዝተቐሰፉ ዘክሩ።(ዘህ21፣6)
ፈጣሪ ስጋ ሂብዎም ከየመስገኑ ክበልዑ ከለዉ፡ከይተንስኡ ናይ እግዚኣብሄር ቁጥዓ ነደደ።እቲ መግቢ ብኣፍንጭኦም ወጸ።(ዘህ11፥20)
ቅዱስ ኤፍሬም ብኣፍንጭኦም ወጸ ንዝብል፡ከብርሃልና እንከሎ"ካብ ኣፍ ንላዕሊ ንዘሎ ኣፍንጫ፡ኣፍ ብዘይምምስጋኑ ኮይኑ፡ካብ ሕገ ተፈጥሮ ንላዕሊ እቲ መግቢ ብኣፍንጫ ወጸ።" ይብል።

መቸም በሊዑ ስለምምስጋን ንዘብርሃልና፡ነዚ ጽሑፍ እንከንበብ"ሕጂ ክንደይ ምልዮን ህዝቢ እንዳጠመየ፡በሊዑ ናይ ምምስጋን ዝጽሓፍ ግዜ ኢዩ፧እዚ ህዝቢ እንታይ በሊዑ'ዩ ከመስግን፧ ዝብል ሰብ ኣይሰኣንን!!!( እቲ ጹሑፍውን ዘይክጭርሶ ይኽእል ኢዩ!!)
ቅዱስ ኤፍሬም ግን ንምምስጋን ምጽጋብ ጥራይ ምኽንያት ኣይኮነን በሃሊ ኢዩ።ናይ ሉቃስ ወንጌል ታሪኽ ብምጥቃስ " እቲ በዓል ጸጋ ኔዌ ጸጊቡ ኣየመስገነን፡እቲ ድኻ ኣልኣዛር ግን ጠምዩ የመስግን ነበረ፡ይብል።
ሓቂ'ዩ! ከይበልዐ ዘመስገነ ሰብ ብሰማይ መኣዲ ኣብ ናይ ኣብርሃም ሕቕፊ ይእንገድ።ካብ መንግስተ ሰማያት መኣዲ ይጋበዝ።ምስ ኣብርሃም፡ምስ ይሰሃቅ፡ምስ ያዕቆብ ይቕመጥ።ናይ ሂዎት እንጀራኡ ከቶ ካብ ዘየጽምኦ ምስ ናይ ሂዎት ማዩ ይረዊ።ንዘልኣለም ኣይጠምን፡ኣይጸምእን።

ስብሀት ለእግዚኣብሄር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።
ብድያቆን ሄኖክ፡
ትርጉም ተኽለማርያም ጉዕላይ

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...