fredag 23. juni 2017

መን ተማሂሩ፣


መንዩ ንወንጌል ተሓንጊጡ
መን ፈሊጡ መንከ ኣጽቂጡ
መን ኣምሂሩ መን ኣፍሊጡ
ንሳታ ድንግል፣
ሕትምቲ መጽሓፍ ዘይምርመር ውሽጣ
ዘይንታያ ዓውታ መምህር ናይ ስቕታ
ገበታ፣
ገበታ ምስጢራ መን ይመርምሮ
እልፊ ቅድስናኣ መን ይመትሮ
ኣምላኽምበር መን ይፈልጣ
ፈጣሪምበር መን ይቕመጣ
ነዚ ልባ መን ፈለጦ
መን ተማህሮ መን መርመሮ

በዚ ኣሎዉ ብዙሕ ዝፈልጡ
በዚ ኣሎዉ እንዳፈለጡ ዘጽቀጡ
ብዙሕ ዘምበቡ ብዙሕ ዘፍለጡ
ድርሳንት ዝሓንጠጡ መጽሓፍቲ ዝወሓጡ
 ቃላቶም ኣይሞተን እነሆ ተኾይጡ
ትምህርቶም ኣይሞተን እነሆለ ተኾይጡ
ፍልጠቶም ኣይሃሰሰን ረኣይዎ ተቐሚጡ
ተቐሚጡ እነሀልኩም ኣብ ተዋህዶ ሰሪጹ
ሰሪጹስ ኣብዚ ዘመንካ ተገሊጹ

ሕቱም ምስጢራ ተገልጸ
ትሕትናኣ ኣብ ልቦም ሰረጸ
ካብ ዓውታ ዓያሹ፣ ስቕታኣ ተመርጸ
ኣቤት ስቕታ!
ኣብ ስቕ ዘሎ ዓውታ
ኣብ ድንቁርና ዘሎ ዝምታ
ስቕተኛ ብስቕቱኡ ተመስገነ
ዓውተኛ ዓውትኡ በነነ
ከበሮኮ ድምጺ ገይሩ
ትሕዝቶ ሓዘል እንክመስል ነዲሩ
ዘይተማሃረስ ንብዙሓት ምሂሩ
ዘይፈለጠስ ንብዙሓት ኣደናጊሩ

ኣንቱም ጸረ ድንግል፣
ንዑ ተጸግዑ
ብሰንኪ ዓጸቦ ፍልጠት ኣይትኽድዑ
ንናይ ምኽሪ ክፉእ ኣይትስድዑ
ተጸግዑ እምበር ኣይተግድዑ
ኣምብቡምበር ኣይተጉርዑ
ኣፍቅሩምበር ኣይትጻልኡ

ንሳ ትኹን ኣዴኹም፣
መምህር ፍቕሪ ስቕታኣ ዝዛሪ
ሐረገ ሳቤቕ ናይ ኣብርሃም ምኽሪ
ንኣስተርእዮ ገንሸል ኣሰረቶ
ኣብርሃም ሰሓቐ ይስሓቕ ሓንቀቐ
ሓረግ ኮይና ድንግል ጽንጽተኣ ተሰምዐ

ነዚ ምስጢር
 መን ሓቖፎ
ኣብ ብራንና መን ለጠፎ
ናብዚ ወለዶ መን ኣተሓላለፎ
ኣንቱም ናይ ሎሚ ህዝቢ፣
ሕንዚዛ ዘመን ከይኮነኩም ንህቢ
ስሕተት ከይለሓኸ
ልቢ ብምንፍቕና ከይተሓለኸ
ናይ ጥንቱ ብናይ ሎሚ ከይተሓኸኸ
ተማሃሩ ምበር ኣይተማርሩ
መርምሩምበር ኣይተድሓርሕሩ

ኣሰራ ዛ ድንግል ኣብ ሲና በጽሐ
ንምድረበዳ ሰንጠቐ ታሪኻ ተተረኸ
ኣንቱም ተረኽቲ እነህልኩም ታሪኽ
ኣምብብዎ ከይሓቐቐ
በዚሖም ንጹሑፋት ዝፍሕቑ
በረዝቲ ሓቂ ንሓሶት ዝሕለቑ
በሉ ንስኻትኩምውን ኣይትሕመቑ
ተንስኡምበር ኣይትደበቑ
ትንሳኤኹምያሞ
ንሓጥያት ልቐቑ ንጽድቂ ተሓለቑ
ወስብሀት ለእግዚኣብሄር።

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...