onsdag 19. juli 2017

ምስክርነት ናይ ቅዱሳን መላእክትን፡ልቕሶ ኣጋንንትን፡-

ብስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ ኣሜን።

           ምስክርነት ኣጋንንቲ፡-

" ብእዝነይ ብርቱዕ ድምጺ ይሰምዕ ኣሎኹ፡ቅድሚ ነዊሕ እዋን ዝፈልጦ ዝጥዕመኒ ድምጺ ኢዩ።ኣብ ዘመነ ስልጣንነትና ' ንስኻ ኣምላኽ ኣይኮንካን፡ከማና ፍጡር እምበር  ከመይ ኢልካ ፈጣሪኹም ኢየ ትብለና'! ኢሉ ካብ ዝተቓወመና ዝመስል ድምጺ ሕጂውን ኩሉ ግዜ ንሰምዖ ኣሎና።ሰባት ስሙ እንክጽውዑ ሕልናና ይርበሽ፡ንሰባት ከነናውጽ ዝሓሰብናዮ፡እዚ ስምዚ ክጽዋዕ እንከሎ፡ምላልባሽ ውን ስም ፈጣሪ ኣብኡ ከይህሉ ኢኻ ትፈርህ።ውሽጥና ብሕፍረት ይምላእ፡ዕላማና ፈርከሽ ከሽ ይብል።ህዝቢ ክርስትያን ነዚ ድምጺዚ ዓው ኢሎም ከስምዑና እንከለዉ፡ዓቕልና ኢዩ ዝጸበና።
ሓያል ሴፍ ተመሊሑ ንርኢ ኣሎና፡ነቶም ንስለ ፈጣሪና ኢሎም ክሳብ ስግኦምን፡ነፍሶምን ዝፈላለያ ኣብ ሃይማኖቶም ዝጸንዑ ሰባት ንሕና ናብ ሲኦል ዓድና ክንወስዶም ንደሊሞ፡እዚ ሴፍዚ ምሕላፍ ይኸልኣና።ከምዝመስለና ሓላፊና ርኹስ ሳጥናኤል ሊቀ ኣጋንንቲ፡ነዚ ሴፍ መዚዙ ንህዝቢ ፈጣሪ ዝሕሉ ዘሎ ሚካኤል ብስልጣን ይበልጾ ከምዝነበረ ወትሩ ኣብ ሲኦል ኮይንና ንመሃሮ ትምህርቲ ኢዩ።እንተኾነ ሓንሳብ ልብና ስለዘንቀለ፡ነዚ ብዓል ዝናር፡ስም ፈጣሪ ዝተዋህበ፡ብዓል ሽዱሽተ ክንፊ፡ንደቂ ክርስቶስ ፈጣን ረዳኢ ዝኾነ ሚካኤል ክንጻረሮ እካ እንተዘይከኣልና፡ነቶም ንሱ ዘፍቅሮም ደቂ ኣምላኹ ግን ኩሉ ግዜ ከነስሕት ተዳሊና ኣሎና።ንሱን ኩሎም፡ሰዓብቱ መላእክትን ናይ ሓደ ብንስሓ ዝኣቱ ሰብ ዓቢ ናይ መርዓ ሓጎሰ ደስታ ኣብ ሰማያት ይገብሩ።ንሕና ድማ ሓደ ሰብ ብንስሓ ናብ ፈጣሪኡ ናብ እግዚኣብሄር እንተተመሊሱ፡ኣብ ሲኦል ናይ አውያትን ሓዘንን ዝኾውን ልቕሶ ነካይድ ኢና።ምኽንያቱ ብሓጥያት ኣታሊልና፡ ናይ ሲኦል ዜጋ ገይርናዮ ከነብቅዕ፡ዜግነቱ ብንስሓ ሓኺኹ ልዕሌና ክበጽሕ እረ ሰማያዊ ዜጋ ክለብስ እንከሎ ከመይ ዘይንጉሂ!
ንጥበብና ዝፍርሽሕ ክንሕይሎ ዘይንኽእል ኩሉ ግዜ ጥበብ ዝኾነ ጸሎት ንሰምዕ ኣሎና።እዚ ጸሎት እዚ ነቶም ብንጽህና ንዓና ንኣጋንንቲ ንምቅዋም ተባሂሉ ናብ እግዚኣብሔር ዝዓርግ ጸሎት ኢዩ።ንሕና ብጥበና ነዚ ጸሎትዚ ናብ ተቐባሊኡ ናብ እግዚኣብሔር ንኸይበጽሕ ብዙሕ ጻዕርታት ንገብር ኢና።እዚ ሚካኤል ዝብሃል መልኣኽ ግን ነዚ ጸሎትዚ ካብዞም ሰባት መንዚዑ፡ብፍጥነት ናብ ኣምላኾም ይወስዶ፡፡ኣምሳዩኡ ድማ እንተድኣ' ኦ እግዚኣብሔር ንሓይሊ ኣጋንንቲ እሰረልና፡ካባና ኣርሕቐልና፥' ዝብል ነይሩ፡እዚ ጸሎትዚ ንዓና፡ዝቃወም ስለዝኾነ፡ንኸይበጽሕ ብዙሕ ዕንቅፋታት ንገብርሞ፡ሚካኤል ዝብሃል መላእኽ ግን፡እንታእዋኑ ነቲ ጸሎት ናብ ዋንኡ ኣብጺሑ ብቐጥታ መልሲ ሒዙ ይመጽእ።ንሕና ድማ ሓይልና ይልሕልሕ፡ጥበብና ፋሕ ይብለና።(ራእ5፥8 ዘካ3፥7)
ሓደ ግዜ ንባህራን ዝበሃል፡መንእሰይ ብብዙሕ ተንኮል ኣሊምና ናይዚ ሚካኤል ዝብሃል ቃል ንኽንዓጽፍ ውዲታት ኣሊምና ነበርና፡እንተኾነ፡ንሚካኤል ክንክእሎ ኣይከኣልናን።በቲ ኢልካ በቲ ግን ኣንቱም ደቂ ሰባት ክሳብ ሚካኤል ንምጽኣተ ክርስቶስ ንምፍጻም፡ቀዳማይ ካልኣይ፡ሳልሳይ መለኸታት ዝነፍሕ፡ንዓኹም ካብ ምስንኻል ዓዲ ኣይክንውዕልን ኢና።ዕላማና ኣብ ሲኦል ዘሎ መንግስትና ንኸስፋሕፍሕ ኢዩሞ፡ገና ኣብ ርእስኹም ኣሎና።ማሕተምና ሒዝኩም፡ናትና  ኣባላት እንተዘይገይርናኩም፡ናትና ቪዛ ማለት ናይ ሲኦል ቪዛ ብጥበብና፡ክሳብ ዘይሃብናኩም ኣይክንድቅስን ኢና።"

ምስክርነት ቅዱሳን መልኣኽቲ፥-


" ኣንቱም ደቂ ሰባት ደስ ይበልኩም፡ክትጽልዩ ከለኹም፡ክተመስግኑ፡ክትነጽሁ፡ካብ ርኽሰት ክትሕለዉ፡ንኣምላኽኩም ከተኽብሩን፡ከተምልኹን ከለኹም ዝስመዓና ደስታ ወሰን የብሉን።ኣጋንንቲ ኩሉ ግዜ መጻርርቲ ኣምላኽና ኢዮም፡ኣማሕደርቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ንምኻን ስለዝተመነዩ ኢዮም ናብ ሲኦም ዝተደርበዩ፡ናብ ሲኦል ንኽድርበዩ ናይ ኣዛዝነት ሰራዊት ስልጣን ዝተዋህቦ ንቅዱስ ሚካኤል ኢዩ፡ምስ ሰራዊቱ ድማ ብትእምርተ መስቀል ተዋግኦም፡ዝነበሮም ስፍራ ከኣ ከምዘይነበሩ ኮኑ፡(ራእ12፥7-8 ቀሌ1፥17-18 ) ። ሕጂውን ንሕና ምስ ሓለቓና ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ጎንኹም ኣሎና፡ብልክዕ ብፍጥረትነትኩም ካባና ትደኽሙ፡ካባና ትንእሱ፡ፍልጠትኩም ካባና ይውሕድ፡ነገድኩም ሓደ ነገድ ጥራይ ብምኻንኩም ካባና ትውሕዱ፡ግን ኣጆኹም፡ ኣብ ሃይማኖትኩም ጽንዑ፡ ብምግባርን ብእምነትን ተሓለዉ እምበር፡ኣብ ድካምኩም ከነበርትዓኩም ኢና፡ካብ ውድቀትኩም ከተንስኣኩም ኢና፡ንውሑድ ፍልጠትረተ ነገድኩም ድማ ከነስፍሖ ኢና። ሰብ ክሳብ ሓደን ምሉእን ቅዱስን ነገድ ዝኣክል ንቕድስናኹም ክንሕሉ ወትሩ ኣብ ጎንኹም ኣሎና።እግዚኣብሄር ነዚ ናይ ምድሓን ስራሕ እዚ ንኽንገብር ኣዚዙ ኢዩ።ከምቲ ሓለቓና ቅዱስ ሚካኤል፡ንባህራን ክሳብ ፍጻመ ምስኡ ኮይኑ ካብ ውዲት ናይ ሞት ኣውጺኡ ናብ ንግስነት ዘሳጋገሮ፡ ከምኡ'ውን ንሃዋርያ ጴጥሮስ ካብ ማእሰርቲ ዘውጽኦ፡ ንህዝቢ እስራኤል መሪሑ ናብ ክንኣን ዘእተዎም፡እወ ኣጆኹም ክሳብ እታ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ናይ ኣዋጅ ድምጺ መለኸት ዘስምዓላ ግዜ እትኣክል፡ንሕና'ውን  ንዓኹም ካብ ምሕጋዝ ኣይክንሕለልን ኢና።( መዝ34፥7,,,እብ1፥14)
ነቶም ዝቃወምኹም ረቀቕቲ ኣጋንንቲ ንሕና ከነባርሮም ቁሩባት ኢና፡ጥራይ ንስኹም ንኣምላኽኩም ጸውዕዎ።ኣምላኽኩም ኣብ ትጽውዕሉ፡ናትና ሓገዝ ኣብ ትሓትሉ ከም ቃሕሰብ ኣብ ጎንኹም ኣሎና።(መዝ35፣5)ፈጣንነትና ቃሕ ሰም፡ ካብ ኤለክትሪክ ይቕልጥፍ፡ፍልጠትና ድማ ካብ ሰብ ሰርሖ masmedia ይረቅቕ።"
ወስብሀት ለእግዚኣብሄር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።
በረኸቱ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ይኽፈለና፡

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...