tirsdag 2. januar 2024

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

"ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!"

በስመ ሥላሴ


√ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት'ዚ ተበጊስካ ኢኻ ድማ መስለኒ፡ ብዛዕባ እንታይነትካን ኲነታትካን ከተረድእ ዝተሃንደካ እንክትመስል፡ መለኸት ናይ ማስሜድያ ክትነፍሕ ንዕዘበካ ዘሎና። ኣበይ ኣለኻ ከይበልናካ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ፡ እንታይ ትዓዪ እንከይበልናካ፡ ከምዝን ከምትን ይሰርሕ' ክትብለና ትውዕልን ትሓድርን ዘሎኻ። 


ኢዶእ!

√ ብዛዕባ ምስልኻን ውሽጣዊ ባህግታትካን ኣረድኣና ኣይበልናካን። ንመን'ኻ ትጸልእ፡ ንመንከ ትፈቱ ኢልና'ውን ብሕቶ ኣየዋጠርናካን። 'ታይ ደኣሞ ብዛዕባ ምስልኻን ውሽጣዊ ኲነታትካን ተዘይነገርኩኹም፡ እናኽትብል ክሳብ ክንድዚ ትውጠር። 

ኣጆኻ ኣይትሸገር ክሳብ ክንድኡ

ሓደ’ሎ ዝሓሊ ብኣና ይኹን በኣኻ/ብኡኡ

ኣብይከ ከይትኽወሎ ኣብቲ ሃሉ ኣብኡ 

ኣጥዕዩ'ዩ ዝፈልጥ ዘለሊ ብባህሪኡ

ብዂሉ ዙርያ እናረኣያ ኣዕይንቱ

'ኣበይ ኣለኻ፧' እናኽብል ይነብር ብኣንደበቱ

ንስኻ ግን ተኸኣልካ ንዑኡ ደኣ 'ኣብ'ዚ ኣለኹ' በሎ

'ምበር ንዓናስ ኢልካና ኣይኢልካና

ንዓብሰልካ ነይብልና!


√ ንሕና እቶም ናይ ወትሩ ተዓዘብትኻን ተኸተልትኻን ክንከውን እትደልየና'ውንኮ፡ ከማኻ እንወድቕን እንትንስእን ማንም ሰባት ኢና። ስለምንታይ ደኣ ኢኻ ብሓደ ከማኻ ሰብ ተጸሊኻ ክሳብ ኣብዚ ዘለኻዮ ጥርዚ ዝበጻሕካ ሰብ ክንስኻ፡-

ብኣይ ብጽሉው ተዘይጸልውኹም

ይኣይ ህሉው ምስለይ ተዘይነገርክኹም

በብዕለቱ ተዘይሰዓብኩምኒ

ከከም ኲነታቱ ተዘይኣድነቕኩምኒ...

 እናኽትብል ክሳብ ክንድዚ ክትህንደድ ትውውዕልን ትሓድርን ዘሎኻ። ካን ኣምላኽና ከተረስዓናሞ፡ ንዕኡ ገዲፍና ኣሰርካ ክንረግጽ ድዩ ድሌትካ፧ በል ንሕናስ ኣይንውዕሎን!

ወረ ደሓን 'ኣበይ ኣለኻ እንከይበልናካስ፡ ኣብዚ ኣለኹ' ክትብለና ትውዕል ትሓድር ኣሎኻ፦


ነቲ ከም ንኣዳም ነቲ ግጉይ

ንቡሩ ሓዲጉ ኣብ ግዳም ንዘእውይ

ንድምጺ ሰራሒኡን ጸዋዒኡን

ምስ ሰመዐ

ህላውነቱ ተሓቲቱ ምስ ተጸወዐ

ንሱ’ቲ ግጉይ ኣዳም ምስ ደቁ

ብልቡ ንዘመናት ነበዐ ፈሊጡ ሓቁ

ንሱ ግን‘ቲ ዘየዕብር ቃሉ

ዝፈጠሮ ንኣዳም ብምስሉ 

ዳሕራዩ መሲሉ ዉሉዱ ወዲ ጓሉ

እወ ናይ ኣዳም ጉዳም

ኣማሲኡ ጸቢቕሉ

ፈጣሪ ባሕርይ ስጋ ምስ ለበሰ

ኣዳም ካብ ግዳም'ዩ ነቒሉ

ናብ'ቲ ለሰ ናብ ክብሩ ዝተመልሰ


ከም ንሳውል እቲ ድንጉይ

ምስ ደርበይቲ እምኒ እናኽውዕል

ምህንዳዱ ምህንዳድ'ቶም ዓቀይቲ

ኣሻቡ ንዒቕዎ ሕልሚ'ቶም ሓለምቲ

ካብ ኣጽነትቲ መስቀላውያን

ተፈልዩ ዝተጸምበረ ምስቶም ኣቅሌስያውያን


ከም እንስምኦን እቲ ኣረጋዊ

ዘይፍሓቚ ዓሚቚ ጽሑፍ 

ብሰንኪ ፍርሑ መታን ከይፍሑቕ

ብለይቱ ዝተነግሮ ፍጻመ'ቲ ርሑቕ


ከም 'ንፍያታይ'ቲ በዓል ቀራንዮ

ስቑል ብየማናይ ጽሉው ብቕጸብት'ቲ ዝረኣዮ

ናይ ዘመናት ሽፍታ

ግን ከኣ ዝበቐዐ ፈላማይ ናይቲ ንምነዮ


√ ነዚኣቶም ዝጸወዐን ዝጸለወን ሓደ ኣካል ከምዘሎ መቸም ትኣምን ኢኻ፡፡ እወ ልብኻን ውሽጥኻን ይነገረካን ይኣምነሉን'ዩ፡፡ እሞ ደኣ፡ ልብኻ  ነቲ ጸዋዕን ናይ በሓቂ ጸላውን ፈጣሪ ክፈልጦ እናደለየ ንምንታይ ትሕንግዶ ኣሎኻ፧ ሕደጎ'ንዶ ንልብኻ ኣይተሳጒጎ።እምበርከ ብዛዕባ ልብኻ ናበይ ገጹ የሳሲ ከምዘሎስ ባዕልኻ ተርእየና ኣሎና።  'ደለ ይኹን' ኢልና'ውን ስቕ ምበልና። ንሕናን ልብናን ግን ከም ኣዳም ኣሻብና ግብርና ከጣዕሰናን ከሕፍረናን እናደለየ፡ እሞ ድማ ድሌትናን ባህግናን፡ በቲ ሓቀኛን ደላዪ ጽቡቕናን፣ ኣብ ውሽጢ’ቲ ሳውል ልብና ‘ኣበይ ኣለኹም' ተባሂልና ክንጽዋዕ እናደለናስ፡ ንስኻ ኣበይ ኣለኻ እንከይበልናካ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' እናበልካ ንምንታይ ልብና እናሻዕ ትውጥጦ፧ ስለምንታይከ ምስልኻን ድሌትካን ከተርእየና ክትብል፡  ምስልናን ድሌትናን ሕልምናን እተረስዓና፧ ሕደግ'ዶ ንየዕይትና ኣይትወጥጦ!


√ ንሕና ከምዚ ትርእየና፡ ድሮ ካብ ጎደና'ቶም ደርበይቲ  እምኒ ሳውላውያን ወጺና ኢና፡፡ ፍኖተ-ጳዉሎሳውያን ክንክተል ከኣ ህርድግ እንብል ዘለና ናይ ስደት ኣንጾክያውያን ኢና። ድሮ’ኳ ኣብ ባዕዲ ሃገር፣ ቅዱስ ተግባር ክፍጸም፣ መንበረ ታቦት ክስረት ንክብረ ታቦትን ክዝየም፣ ኣብቲ ዘይቅዱስ ሃገረ ቅዱስ ተግባር ክፍጸም ብርእዮ ንርእን ንሰምዕን ኣሎና።

እንተ ንስኻ ግን ኣንታ በዓል እምኒ

 'እነሀልኹልኩም ደንጎላ ይድርቢ

ክጸልወኩም'ዩ ድሌተይ ንንእሽቶ ይኹን ዓቢ

ከማይ እንዶ ኲኑ

ንዑ'ባ ኣብ መጋርያይ ስሓኑ!'

ትብል ዘለኻ ግን፡ ልብናን ቀልብናን ንምቊጽጻር ድዩ እዚ ዂሉ ህንደዳ። ዕደ ነሳእካ! ንሕናስ ተኸኣልና ኣቅሌሳውያን ንምዃን ደድሕሪ ጳውሎስ ክንስዕብ ኢና፡፡ ተዘይከኣልና ግን  እምንን ደንጎላን ካብ ምድርባይ ኢድናን እግርናን ደኣ ንእክብ'ምበር፡  ከማኻ ኣሽንኳይዶ መደረጋሕ፡ ንማንም ምስኪን ሓንቲ ጸጸር'ኳ ኣይንክንድርብየሉን ኢና።


√ እወ ንስኻ'ውን ኣንታ በቲ ሓደ ጫፍ ዘሎኻ፡፡ ቀዳማዊ ስምኦን ኣረጋዊ ኴንካ ትኽእሎ ኢኻ።እረ ቅምጥ ኢልካ ካብ ምብራቕ ዝመጻኻ ናይ ስደት ሉተር ከምእትመስል ንፈልጥ ኢና። ከምኡ ስለዝኾንካ ኢኻ ድማ፡ ቀዳማውያን ጽሑፋት ክትፍሑቕን፡ ጥንታውያን ኣሰር ክትድምስስን ትውዕል ትሓድር ዘሎኻ። ንሕና ግን ነቲ ገና ብለይቱን ከይወገሐን እንከሎ፡ ናይ ጽባሕ ምስልን ፍጻመን ዝተነግሮ፡ ናይ ሓዱሽ ኪዳን ስምኦን ኣረጋዊ ክንመስሎ'ዩ ድሌትና። እወ፡ ጥንታውያን ጽሑፋትና ኣይንፍሑቕን፡ ዘለኣለማዊ መንገድናን ህሉዊ ወንበርናን'ውን ኣይንለቅቕን። ተኸኣልና ነቲ ብቤተ-ኤል ዝተገብረልና  ውዕለት፡ ንዂሉ ዘይሰመዐ ወገሐ-ጸበሐ ክንነግር ኢና። ነታ እግርና መታን ደልዲሉ ክትከል፡ ኰልታፍ ልሳንና'ውን ፈጺሙ ክጸሪ፡ ከይነዓቐት ሓመድና ነጊፋ ካባኣ ዘልበሰትና ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያን ወትረ ከነመስግና ኢና። ተዘይከኣልና ግን ውዕለት ናይ'ታ ብልሳና ዘለሰነትና ጥንታዊ ኣቅሌስያ ብፍጹም ኣይንርስዕን።


√ እምበኣረከስ እንተንስኻ ኣንታ ኣበየ ኣለኻ ከይበልናካ ‘ኣብዚ ኣለኹ’ እትብለና ዘሎኻ፦ ተኾነ ድምጺ መለኸት ባዕዳውያንን ግብረ ሰብ እምንን ዶንጎላን ሓዲግካ፡ ድምጺ ዳዊትን ማኅሌትን ክትሰምዕን ንዓ ነጆ። ኣጆኻ ብሕሉፍካ ኣይትሕፈር ኣይትሸማቐቕ ኣይትሸቚረር።  እዛ ቅድስት ቤት ብርግጽ ትወሓሰካ'ምበር ኣይክተሕፍረካን'ያ። ተዘይኮነ ግን  ከም ምርጫኻ ንበር፡፡ ከምቲ ትደልዮን ትሓልሞን ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ንዓና ግን ምርጫ ከምዘለናን ኣብ ምርጫና ክንነብርን'ባ ሕደገና! ንድሌታትናን ሕልምታትናን ቀቲልና፡ ኣብ ሕልምኻን ባህግኻን ክንነብር ኣይትፍረደና።


'ኣበይ ኣለኻ ከይተባህለ፡ ኣብዚ ኣለኹ ዝበለን፡ ንመኣዲ ከይተኣንገደ ጽብሑለይ ዝበለን፡ እቲ ምስዝነብሩ ኣይነብር እዚ ምስ ዝኸብሩ ኣይከብር!' ክልቲኦም ሓደ'ዩ ነገሩ!!

እግዚአብሔር ብኽብሩን ንኽብሩን ክንነብር፡ ብጸግኡ ይጸግወና ብምሕረቱ ኣይፈለየና! ዓመትናን ዘመንና መጻኢናን የጸብቐልና ኣሜን ወኣሜን!

ሎቱ ስብሐት!

ምንጪ፦ [ ዘፍ 3፥9፡ ኢሳ 7፥14፡ ሉቃ 2፥25-26፡ ሉቃ23፥41-43፡ ግብ  9፥1-30፡  ዮሐ 1፥14፡ 1ዮሐ1፣2-4 ]



…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...