onsdag 20. september 2017

ሰላም ለከ መጋቤ ሥርዓታ ወሕጋ።ለደብረ ቀልሞን ምልእተ ጸጋ።እስከ ኣዕረጎ ሳሚኤል ኀበ ነዕላዊት እንግልጋ።እምካልኣኒሁ ኣመ ንትጋ።ለመልአከ ሰማይ ጸለይከ እንዘ ኣንተ ዘስጋ።

በስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሀዱ ኣምላክ።
ሰላም ለከ መጋቤ ሥርዓታ ወሕጋ።ለደብረ ቀልሞን ምልእተ ጸጋ።እስከ ኣዕረጎ ሳሚኤል ኀበ ነዕላዊት እንግልጋ።እምካልኣኒሁ ኣመ ንትጋ።ለመልአከ ሰማይ ጸለይከ እንዘ ኣንተ ዘስጋ።
ትርጉም፡-
ሰላምታ ንዓኻ ይኹን ኣንታ መጋቢ ስርዓታን ሕጋን፡
ንደብረ ቀልሞን ምልእተ ጸጋ
ክሳብ ንዓላዊት ዝተወሰድካ ኣብኡ ንዝነበረ ትግሀትካ፡
ንመልኣኸ ናይ ሰማይ
ስጋ ለበስ ክንስኻ ዝጸለኻ።
ይብል።
ብዝያዳ እቶም ግእዝ ጽቡቕ ዝተማሃርኩም ኣዕሪኹም ትርግሙ ይርደኣኩም ይኾውን።
ታርኽ ቅዱስ ኣባ ሳሚኤል ዘደብረ ቀልሞን ኣብ ስንክሳር 8ታሕሳስ ከም ዝሕብሮ፡ብህጻንነቶም መነክሴ ክኾኑ ባህጊ ከምዝነበሮም እሞ፡ልብሲ ምንኩስና ክለብሱ ሃረር ይብሉ ከምዝነበሩ፡ነዚ ሰናይ ምንዮቶም ተመልኪቱ ድማ እግዚኣብሄር መልኣኹ ልኢኹ ናብ ሓደ ደብሪ ከምዝወሰዶም ኣብኡ ናይቶም ኣብኡ ዝጸንሑ ሽማግሌ መነክሴ ኣገልጋሊ ኮይኖም ብትግሃት የገልግሉ ከምዝነበሩ፡ እቶም ኣቦ ምስ ዓረፉ ድማ ብዙሕ መንፈሳዊ ተጋድሎ ከምዘጋጠሞም ብፍላይ እቶም ባርባራውያን ንቤተክርስትያን ንምልዋጥ ብዙሕ ጻዕርታት ይገብሩ ብምምባሮም፡(ክርስቶስ ብክልኤቱ ባህሪ) እትብል ደብዳበ ክትንበብ ከምዝሃብዎም ፡ቅዱስ ኣባ ሳሚኤል ግን በቲ ዝነበሮም መንፈሳዎ ቅንኣት ነታ ደብዳበ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክርስትያን ቀዲዶም ከምዝደርበይዋ፡
ብድሕሪኡ እቲ መኮነን ብዙሕ መቕጻዕቲ ከምዘውረደሉ፡ክሳብ ካብ ገዳሙ ኣውጺኡ ብገመል ገይሩ ብዙሕ ከምዝጎተቶም ይገልጽ።
ሓደ ግዜ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስትያን እንከለዉ፡እግዝኣብሄር ተገሊጹ "ባርባራውያን መጺኦም ክፍኣቶም ክፍጽሙ ኢዮም እሞ ከይትምልሰሎም ስቕ በል፥" ኢሉ ኣዘዞ።እሺ ኢሎም ኣብ ውሽጢ ተኸዊሎም እንዳተጸበዩ፡እቶም ክፏኣት ባርባራውያን ኣስያፍ ሒዞም ኣብ ውሽጢ ቤት መቕደስ ብምእታው ግፍዕታት ፈጸሙ።ነዚ ምጽዋሩ ዝሰኣኑ ቅዱስ ኣባ ሳሜኤል "ኣንቱም ደፋራት ክሳብ መዓስ ኢኹም ንትዕግስቲ ኣምላኽ ሸለል ክትብልዎ፡እግዚኣብሄር በዚ ትገብርዎ ዘለኹም ክቐጽዓኩም ኢዩ።"በሎም፡ንሳቶም ከኣ ኣይረኣይዎን ነበሩሞ እንካዕ ረከብናካ ብምባል ከቢድ መግረፍቲ ገረፍዎ።ብገመል ድማ ንነዊሕ መንገዲ ጎተትዎ።እታ ገመል ከኣ ብናይ ቃንቃ ደቂ ሰብ ገይራ" እግዚኣብሄር ስቕ በል ኢሉካ ከብቅዕ ንስኻ ግን ትእዛዙ ኣይፈጸምካን" ኢላ ወቐሰኣ ገለጸትሉ።ንሱ ድማ እወ ግገኛ ኢየ፡ግን እግዚኣብሄር ከኣ መሓሪ ኢዩሞ ካብ መከራይሲ ይምሕረኒባ።ኢሉ ናብ ኣምላኹ ተማሕጸነ።ነዊሕ ገድሊ ፈጺሙ ድማ ብክብሪ ዓረፈ።
ሕቶ፦ ኣብዚ ምስባኽን ገድልን ከምዝረኣናዮ ክልተ ተቓረንቲ ዝመስሉ ነገራት ንግንዘብ።
1) ስጋ ለበስ ክንስኻስ ንመልኣኽ ጸሊኻሉ፡
2) ገመል ልሳን ሰብ ገይራ ወቒሳቶም፡እዚኤን ክልቲኤን ተቓረንቲ ይመስላ።መጀመርያ ሰብዶ ይኸብር ወይሲ መልኣኽ፧ካብ ሰብን እንሲሳንከ፧
ዝብላ ነጥብታት ክንርኢ።
ክቡር ኣንባቢተመልከ፡-
እግዚኣብሄር ንፍጡራቱ መን ይኸብር ንመን ዝያዳ ኣኽቢርዎ፡ንመንከ ትሕቲ እቲ ሓደ ገይርዎ ባዕሉ ይፈልጥ ኢዩ።ንሕና ደቂ ሰባት ግን ፍልጠትና ውሱን ካብ ምኻኑ ዝተላዕለ እገለ ይዓቢ እገለ ይንእስ ኢልና ክንፈላሊ ዓቕሚ ይውሕደና ኢዩ።እግዚኣብሄር ግን መን፡ ካብ መን ዝያዳ ይኸብር ይፈልጥ ኢዩ።ንዓና፡ምደቂ ሰባት ድማ ብፍታዉ ቆንጭሉ ይገልጸልና።
ሀ) ፍጥረት መልኣኽቲዶ ይኸብሩ ደቂ ሰባት፧
ቅዱሳን መጽሓፍቲ ከምዝገልጽዎ፡ካብ ኣፈጣጥራ ናይ ቅዱሳን መልኣኽቲ፡ኣፈጣጥራ ናይ ደቂ ሰባት ዝያዳ የደንቅን የስደምምን።ሰብ ፎቶ ናይ ኣምላኽ ኢዩ ክትብል እንከለኻ፡ምስዚ ናይ ሕጂ ክብርና ኣነጻጺርካ ፈጺምካ ትሓፍር ኢካ።ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ከኣ፡ሰብ ስጋን ደምን ናይ ኣምላኽ ይምገብ ኢዩ ንዝብል ትምህርቲ ካብ ኩሎም ፍጥረት ኣብ ሰብ ዘለዎ ኣረኣእያ ማዕረ ክንደይ ይኸብር የነጽረልካ።
ታሪኹ፡- "መልኣኽቲ ምስ ተፈጥሩ፡ካብ መንጎኦም ክብሩ ዘይሓለወ፡ 'ኣምላኸ ኢየ ' በሃሊ ካብ ወገን ፍጥረት መልኣኽቲ ተንሲኡ ምምባሩ ቅዱሳን መጽሓፍቲ ይትርኹ።ብፍላይ መጽሓፈ ቀሌ፡ይገልጽልና ኢዩ ብዛዕባዚ።ስለዚ ሰይጣን ንኸይናሳሕ መመኽነይታ ዝገበረሉ እንታይ ኢዩ እንተኢልና፡
"እግዚኣብሄርሲ ካባይ ንላዕሊ ዝኸብር ፍጥረት ፈጢሩ ነታ 99 ነገድ እንተመሊኢዋ ክንርኢ ኢና፣" ብዝብል ትዕቢት ተወጢሩ።ብዘይ ንስሓ" ክንዳሃለወ "ዝኸብረ ፍጥረት ብሕጂ ክሰርሕ ዓቕሚ ስለዘየብለይ፡ብዘይንስሓ ናብ ክብርኻ ተመለስ" ክብሎ ይደሊ ነይሩ።ነታ ሰይጣን ዝፈጸማ ሓጢኣት ሓላፍነት ወሲዱ ክጠዓሰላ ዝግበኦ ሰይጣን ኢዩ ነይሩ።እግዚኣብሄር ግን ናይ ንስሓ ዕድል ሂብዎ ከብቅዕ ስለዝኣበየ፡በቶም ከምኡ ዝፍጥረቶም ቅዱሳን መልኣኽቲ ተኾብኪቡ ናብቲ ዝዓሞቐ ባርባሮስ ከምዝድርበ ገይሩ ቀጽዖ፡ነቲ መልአከ መዐት ዝነበረ ቅዱስ ሚካኤል፡ሊቀ መላእክት ዝብል ክብሪ ሸለሞ።ብኽብሪ መልኣኽቲውን ንሓድሕዶም ይበላለጹ ኢዮም።ንሰባት ግን ብፍሉይ ክብሪ፡ክእለቱ ከርኢ ካብቶም ግኡዛን ፍጥረት 4 ባህሪያተ ስጋ ምስ 3 ባህርያተ ነፍሲ ኣወሃሂዱ ኣኽቢሩ ፈጠሮም።
እረ ሰብ ምስተፈጥረ ይብል ቀሌሚንጦስ3፥38 "ስግኡ ካብ ኮኾብ ጽባሕ ንላዕሊ፡ነፍሱ ድማ ካብ ጽሓይ ዕጽፊ የብርህ ነበረሞ፡መልኣኽቲ ድማ እንዳዘመሩ ኣኽቢሮም ናብ ገነት ኣእተዉዎ።" ይብል።
ነዚ ተኣምረ ማርያ ኣብ መቅድም፡"፡ድንግል ማርያም ትነጽሕ እምመላእክት፡ድንግል ማርያም ትዓቢ እምኩሉ ፍጥረት።በእንተ እግዚእተ ማርያ ተፈጥሩ ኣዳም ወሄዋን፡
ትርጉም፦ ድንግል ማርያም ካብ መላእኽቲ ትነጽሕ፡ድንግል ማርያም ካብ ኩሉ ፍጥረት ትዓቢ ማለት ኢዩ።ኣዳምን ሄዋንን ምእንቲ ድንግል ማርያም ተፈጥሩ።ኢሉ ይምህር።ንሰባት ዋላ በደልቲ ክንሶም እታ ኣብ ጅማረ ፍጥረቶም ዝሃቦም ጸጋ ግን ፈጺሙ ካባኣቶም ኣየጥፍኣን።ዋላ ኣብ ሲኦል ኣብ ጸልማት ይንበሩ እምበር፡ኣብ ሕቖኦም ኮይና ከም ዕንቂ እተብርህ ተረፍ ዘርኢ ብረቂቕ ጥበቡ ኣቐሚጥዋ ነበረ። (ኢሳ1፣9)
ስለዚ እግዚኣብሄር ተዝሓተኩም" ደጊም ካልእ ፍጥረት ክትፍረሩሞ እንታይ ዓይነት ፍጥረት ክትኮኑ ይሕሸኩም፧" ኢሉ ተዝሓተና፡እንታይ ዓይነት ፍጥረት ክንከውን ምሓሸና፧ዋላ ሽሕ ግዜ ከምኡ ኢሉ ተዘምርጸና፡ሽሕ ግዜ ሰብ ምኻን ይሕሸና ከምትብሉ ግምት ኣሎኒ።ምኽንያቱ ካልእሲ ይትረፍ ስግኡን ደሙ ንምብላዕ ተፈቒድልና ብምኻኑ ዝከበረ መግቢ ንምገብ ምህላውና ኢዩ፡ክገርመኩም፡ እግዚኣብሄር ንመልኣኽቲ ክፈጥሮም እንከሎ ንጹሓን ክቡራን፡ዘይባዝሑ ፍትወተ ስጋ ዘየብሎም ስጋውያን ዘይኮኑ ገይሩ ኢዩ ፈጢርዎም።ንሰባት ግን ካብ ስጋን ነፍስን ብኢዱ ጠፊዑ ሰሪሕዎም ከብቅዕ ፡ንፍጥረትነቶም ከይነዓቐ ስገኦም ለቢሱ ተገሊጹ።እግዚኣብሄር ኣብ ማህጸነ ድንግል ማርያም ተጸኒሱ እንከሎ፡መልኣኽቲ ድማ ኣብ ማህጸና ኣቲዮም ቅዳሴኦም የከናውኑ ነይሮም። ነዚ ኢዩ ቅዱስ ያሬድ ማህሌታይ፡"ወሶበ ርእዩ ትሕትናሁ ለእግዚኦሙ፡ኣልዓሉ ኣዒንቲሆሙ ላዕለ ውስተ ኣርያም፡ወበህየ ረከብዎ ምስለ ኣቡሁ ወመምፈስ ቅዱስ ዘትካት።" ዝበሎ ኣብ ኣንቀጸ ብርሀን።
ስለዚ ቅዱሳን መላእክቲ ክቡራን ቅዱሳን ፍትወተ ስጋ ዘየብሎም ክንሶም፡ንደቂ ሰባት ግን ኣኽቢሩን ኣማዕሪጉን ብጥበቡ ፈጢርዎም ነበረ።ደቂ ሰባት ግን ክብርና ኣይዓቀብናን።ንሱ ግን ንኽብርና ከምዝዓቀቦ ንኽገልጽ ንድግል ኣቐሚጥዋ ጸነሐ።ለካ ብዘይ ነግ ፈረግ ድንግል ማርያምዶ ትዓቢ ዋላ መላእክት እንተኢልኩምኒ ድንግል ማርያም ኢያ ኢለ ክምስር ይደፍር።እዚ ክበሃል እንከሎ ግን ቅዱሳን መልኣኽቲ ሓጥኣን ኢዮም ንምባል ኣይኮንኩን።ንሓድሕዶም እካ ብክብሪን መዓርግን ከምዝበላለጹ፡ካብ ኩሎም ድማ ንድግል ኣኽቢሩ ካብ ጥንቲ ኣብ ሕልንኡ ኣኽበሩ ኣምበራ።
ለ) እንሲሳዶ ይኸብር ሰብ፡ምኽንያቱ ገመል ንኣባ ሳሚኤል ገሲጻቶም፡መልኣኽ እግዚኣብሄር ሳላ እታ ኣድጊ፡ ንበልዓም ከምዝነሓፎ ገሊጽሉ።
ኣብ መንጎ ሰብን እንሲሳን ንዘሎ ምንፃጻር እንሲሳዶ ወይሲ ሰብ ይኸብር፧
እንሲሳ እግዚኣብሄር ኣኽቢሩ ብዘየጣዕስ ኣፈጣጥራ ፈጢርዎም እካ እንተኾነ፡ተስፋ መምግስተ ሰማያት ግን የብሎምን።ኩነኔን ሞሳን በረኸተ ሰማያዊትን ኣይምልከቶምን ኢዩ።ኣብ ልደቱ፡ ብእስትንፋሶም እካ ኣብ መብልዒ ማል ኣሚቖሞ እካ እንተኾኑ፡ስግኡን ደሙን ንምብላዕ ግን ኣይምልከቶምን ኢዩ።
መደምደምታ፡-
እግዚኣብሄር ነዞም ኣብ ምድሪ ዘለና ሓጥኣን ሓጢኣትና ክገልጸልና ምስዝደሊ፡በቶም ንዑቓት ኢልና እንግምቶም ገይሩ ኢዩ ዝገንሓና።የውሃንስ መጥመቕ፡"ብልብኹም ኣብርሃም ኣቦ ኣሎና ኢልኩም ኣይትተዓበዩ፡እግዚኣብሄር ካብዞም ኣእማን ውሉድ ክኾንዎ ከተንስእ ከምዘይጽግሞ ፍለጡ፣" በሎም።ኣእማን ኣህዛብ ዘይኣመንቲ ኢዮም። ኣዝዮም ምሁራትን ፈላጣትን ሰባት እንዳሃለዉ ንትምህርቶምን ፍልጠቶምን ብዘይንጽህና ዋጋ ከምዘየብላ ገይሩ ዘሕፈሮም፡በቶም ብዓለም ንዑቓት ዝኾኑ ሃዋርያት ገይሩ ኢዩ።ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ 10 " እግዚኣብሄር ነቶም ዝበደሉ ተረርቲ ልቢ በቶም ንዑቓት ዝመስሉ ገይሩ ኣቕንኦም" ይብል።
ኣብ ግዜ ሓጢኣቶም ውን በቶም ኣህዛብ ገይሩ ይቐጽዖም ነበረ።ናብ ባቢሎን ን70 ዓመታት ክስደዱን ክግረፉን ዝገበረ ሓጢኣቶም ንከረድኦም ስለዝደለየ ኢዩ።በቶም ዘይኣመንቲ፡በቶም እንንዕቖም ገይሩ ክሳብ ክንድዚ ተግሳጽ ምስሃበና ድማ ልብና ናብኡ ይምለስሞ ንጠዓስ።
በንጻሩ፡ክብርና ክገልጸልና እንከሎ ድማ በቶም ክቡራት ኢልና እንሓስቦም ገይሩ ኢዩ ዝገልጸልና።ንሕና ኣዝዮም ክቡራት፡ብኽብሪ ፈጺምና ዘይንመሳሰሎም ኢልና እንሓስቦም፡እግዚኣብሄር ድማ ንናትና ክብሪ ክገልጸልና ምስዝደሊ፡በቶም ክቡራት ገይሩ፡ንዓኣቶም ኣትሒቱ፡ንዓና ልዕል ኣቢሉ ይገልጸልና።እዚ ንዓኣቶም ከዋርድ ስለዝደለየ ኣይኮነን።ንኣብነት መጽሓፈ ጦቢት እንተምቢብና እቲ መልኣኽ ከም ኖርማል ቤተሰቦም ኮይኑ ኢዩ ዘገልግሎም ነይሩ።ንጦቢያ ብዙሕ ክእዘዞ፡ክሳብ ብደሞዙ ተላኢኹ ሰብ ተመሲሉ ንክብሩ ማዕረ ባርያ ቆጺሩ ክተሓጋገዞም እንከሎ ነንብብ።እብዚ እምበኣር እግዚኣብሄር ነቲ ዓዊሩ ዝነበረ ጦብያን፡ነታ ብኣጋንንቲ ተኸቢባ ዝነበረት ሳራን ከኽብሮም፡ውርደቶም ድማ ከርሕቐሎም ስለዝደለየ፡ነቲ ክቡር መልኣል ልኢኹ ትሕቲ ሰብ ከምዝኸውን ኣምሲሉ ክብሮም ገሊጽሎም። ጦቢትን ሳራን ብመንገዲ ትሕትና መልኣከ ኡራኤል ገይሩ ክብሮም ተበሰሩ።
ኣብዚ ናይ ኣባ ሳሚኤል ታሪኽ ውን ክህነት ማዕረ ክምንይ ክቡር ምኻኑ፡ንሰባት ዝተዋህበ ናይ ጸጋ መለኮታዊ ስልጣን ማዕረ ክንደይ ክቡር ምኻኑ፡እተን ኣጻብዕቲ ካህን ስጋ መለኮትን ደመ መለኮትን ከምዝፍርትታ፡ደቂ ሰባት መታን ክመሃሩ፡ነቶም ንስሓ ዘይምልከቶም፡ምውዳቕን ምትንሳእን ዘይግበኦም፡ናይ ንስሓ ዕድሎም ተወዲኡ ደጊም ኣብ ዝማሬን ውዳሴን ንዘለዉ መልኣኽቲ ጸዊዑ፡ከም ዝደኸመ፡ሓጢኣት ፈጺሙስ ንስሓን ጸሎተ ሓገዝ ካብ ሰባትን ከምዘድልዮ ብምምሳል ተገሊጹ ኣብ ትሕቲ ኣባ ሳሚኤል ክወድቕ እንከሎ ነንብብ።
ኣብዚ ኣባ ሳሚኤል ብዝገበርዎ ጸሎት መልኣኽ እግዚኣብሄር ካብቲ ዝነበሮ ክትንስእ እንከሎ፡እቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት፡ክብሪ ክህነት ዘይርደኦም፡ኢድ ካህን ማዕረ ክንደይ ክትፈትሕን፡ክትኣስርን ስልጣን ከምዘለዋ ንምርዳኡ ዝተጸገሙ እግዚኣብሄር ነዚ ስለዝገለጸሎም፡ደጊም ዘማኻንይዎ የብሎምን።ኣባ ሳሚኤል ድማ ነቲ መልኣኽ ካብቲ ዝነበሮ ናብ ሰማያዊ ክብሩ ዓሪጉ ስለዝረኣዮ ፡ኣነ ይበልጽ ንመልኣኽ ክቐትልን ከሕውን ዝኽእል ስልጣን ኣሎኒ፡ኢሉ መታን ከይዕበ፡መልኣኽ እግዚኣብሄር ንስሓን ሞትን ከምዘይግብኦ ንኽገልጸሉ ንሰማይ ክዕርግ እንከሎ ኣርእይዎ።ስለዚ ኣነ ይበልጽ ኢሉ ምስ እግዚኣብሄር ክማጎት ኣይክእልን ኢዩ።እግዚኣብሄር ግን ክብሪ ክህነት ነቶም ህዝቢ፡ክብሪ መልኣኽ ድማ ንኣባ ሳሚኤል በቲ ዝርደኦም ቃንቃ ገይሩ ገሊጽሎም።
ስለዚ ንኣባ ሳሚኤል ንስኻዶ ትበልጽ ወይሲ መልኣኽ ኢልኩም እንተሓቲትክሞ;" ኣነ ደኣ ፍጥረተይ እካ ክቡር እንተኾነ፡ኣብ ሓጥያት ዘለዋ ዓለም ዝነብር እንዳወደቕኩን እንዳተንሳእኩን ዝነብር ሰብ እንድየ።እዚ መልኣኽ ግን ካብ ኣገልግሎት ዘይፍለ፡ረቂቕ መልኣኽ ኢዩ።ብስጋ ከም ዝተኣሰረ መንገብገቡ ከም ዘውደቐ ኮይኑ ዝተገልጸ ግዙፍ ፍጥረት ስለዝኾነ ዘይኮነስ፡እግዚኣብሄር ክገልጾ ዝደለየ ትምህርቲ ስለዝነበረ ኢዩ።" ኢሉ ትሕትንኡ እንተናረቖሐ ይምልሰልኩም።
ነቲ መልኣኽ ድማ ንስካዶ ወይስ ኣባ ሳሚኤል ይበልጽ ኢልኩም እንተሓቲትክሞ፡"ኣነ ድኣ ስጋ ኣምላኽ ኣይበልዕ፡ብምስሊ ኣምላኽ ኣይተፈጠርኩ፡በንጻሩ እካድኣ እግዚኣብሄር ከም ምስልናን መልክዕናን ሰብ ንፍጠር ኣብ ዝበለሉ ግዜ ምስሊ ኣምላኽ ክርኢ ሃረር ዝበልኩ መልኣኽ፡ስግኡን ደሙን ክርፍትት ዘይበቅዕ ክንሰይ፡ከመይ ኢልኩም ምስዚ ክቡር ኣቦ ተወዳድሩኒ።ኣባ ሳሚኤል እምበር ይበልጽ ኢሉ ትሕትኑ ይምህረኩም።ምኽምያቱ ኣብ መንጎ ቅዱሳን ኣነ ይዓቢ ኣነ ይበልጽ፡ኢልካ ምትፍናን የለን።ንሕና ግን ክብሮምን ስርሖምን እግዚኣብሄር ብዝገለጾ መሰረት ንሰብኽን ንትርኽን።ነቲ ሓደ ኣኽቢርና ግን ነቲ ሓደ ኣይንንዕቕን፡ቅዱሳነ ናይ እግዚኣብሄር ኩላቶም ክቡራት ኢዮም።መምዓርጎም ከክብሮም እግዚኣብሄር ከምዝዓደሎም ድማ ቤተክርስትያን እምዳዘምተወትሎም ትነብር ኣላ።እምበኣር እግዞኣብሄር ከምዘኽበረና ንክምህረና በቶም ክቡራን ዝበልናዮም ገይሩ ክብረትና ይገልጸልና።ስለሕስረትና ሓጥያትና ንምምሃር ድማ በቶም ሕሱራት ዝበልማዮም ገይሩ ሕስረትና የረድኣና።
ድንቂ ጥበብ ዝውንን ሓደ ኣምላኽ ዝኾነ ንኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ምስጋና ይኹን።ቅድስት ድንግል ማርያም ልዕሊ ኩሉ ፍጥረት ክብርን፡ምስጋናን ይብጽሓያ።ኩሎም ቅዱሳን በብክብሮም ዝተመስገኑ ይኹኑ።
ወስሀት ለስሉስ ቅዱስ።ኝብ

…በዓል ኣብዚ ኣሎኹ…!

" ኣበይ ኣለኻ ንዘይበሉኻ፡ 'ኣብዚ ኣለኹ' ኣይትበሎም!" በስመ ሥላሴ √ ኣንታ ብሩኽ ሰብ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ህላውነትካን ኲነታትካን ዝግደሱ ይመስለካ ይኸውን'ዩ። ካብ'ዚ ግምት...